ፍፃመታት ኣዋርሕ ሰነ 2013ን 2017ን ዓ.ም፡ ውፅኢት ተረኽናን ታሪኽናን

ገብረመድህን ሮምሃ (ዶ/ር)

ሓምለ 2 2017 ዓም ዝተፅሓፈ

ከም PDF ልምንባብ

1. መእተዊ

ስልጣነ ትግራይ (ኣኵሱም) ካብ ዝነበሮ ብራኸ ዝወረደ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ተረኽ ግብፂ እዩ ነይሩ። ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ተረኽ ግብፂ ዝወደቐ ፖለቲካ ትግራይ፤ ሓሶታዊ ሃይማኖታዊ ተረኽ ኣምሓራ ኣርኪብሉ ኣብ ዝወደቖ ጭቃ እናተለወሰ ክቕፅል ገይሩ እዩ። ይኹን እምበር ትግራይ ዘኽቲማ ኣብ ትሕቲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ክትምብርከኽ ዝገበሩ ግን ካብ ንግስና ሓፀይ ዮሃንስ ንድሓር ዝተፈፀሙ ፖለቲካዊ ስሕተታት ትግራይ እዮም ነይሮም። ዘይሩ ዘይሩ ኢትዮጵያውነት ሓደጋ ድሕንነትን ህልውናን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ከምዝኾነ ደመነፍሳዊ እምነት ኩሉ ትግራዋይ ኮይኑ ከምዝፀንሐ ካብ ታሪኽ ዝቐሰምናዮን ሕዚ እውን እንሪኦ ዘለናን ግሁድ ሓቂ እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ኣብ ኣምር ኢትዮጵያውነት ቦቒሉ ዝገወደ ፀረ-ትግራዋይነት መንነታዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሖ ዝነበረ ሓሳረ-መከራ፤ ህዝቢ ትግራይ ኩሎም ኣንፃር ህልውንኡ ዝተፈነውሉ ከበድቲ መጥቃዕቲታት እናመከተ ድሕንነቱን ህልውንኡን ክዕቅብን ከቐፅልን ከምዘለዎ ከም “ልዑላዊ ውህብትኡን ዘለኣለማዊ ዕጭኡን” ቆፂሩ ክሳብ ሕዚ ፀኒሑ እዩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ሕማቕ ፖለቲካዊ ሕመቕ ትግራይ ዝማዕበለ እዩ።

ሓደ፤ ህዝቢ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያውያን ኣህዛብ ብዘበናት ቀዲሙ ስልጡን ክብርታትን ስርዓተ መንግስትን ዘማዕበለ ህዝቢ ስለዝኾነ በትረ-ስልጣን ንካልኦት ኣሕሊፍካ ብዘይ ምሃብ ህዝቢ ትግራይ ልዕልንኡ ሒዙ ክቕፅል እናተገብኦ ንኻልኦት ኣሕሊፉ ዝሃበ ብሰንኪ ሕመቕ ፖለቲካ ትግራይ እዩ። ክልተ፤ ድሕሪ 13 ክ/ዘበን ብናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ መንፈስ ዝተላዕጠጠ መንግስታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ፤ ህዝቢ ትግራይ መንግስታዊ ስልጣኑ ተዳኺሙ ኣብ ትሕቲ ሓሶታዊ ተረኽ ኢትዮጵያውነት ወዲቑ ክልወስ ዕድል ዝፈጠረ፤ እቲ ኣብ ትግራይ ዝማዕበለ ሕማቕ ፖለቲካዊ ባህሊ እዩ ነይሩ። ሰለስተ፤ ኣብ መወዳእታ ዝሑል ኵናት ኣምራት ሞናርኪያውን ዴሳውን ሓፀይነት እናተዳኸሙን ኣምር ብሔራውነት እናማዕበለ እንትመፁ ኣብ ዓለምና ብዙሓት ሃገራት ተፈጢረን እየን። ኤርትራ ካብኣተን ሓንቲ እያ። ኣብዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ንድሕንነቱን ህልውንኡን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ እንትኸውን ሰኣን ውሕሉል ፖለቲካ፤ ክባር ዋጋ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተሓንሺሹ ተሪፉ እዩ። ይኹን እምበር ሎሚ ህዝቢ ትግራይ ሳላ ትምህርትን ምዕቡል ርክብን (ብፍላይ ማሕበራዊ ሚዲያ) ግዳይ ኢትዮጵያውነት ኮይንካ ምንባር “ልዑላዊ ውህብትኡን ዘለኣለማዊ ዕጭኡን” ከምዘይኮነ ብዝግባእ ፈሊጡ ነይሩ። ብውዑይ መንፈስ ድማ ዘለኣለማዊ ውሕስነት ረብሕኡ፣ ድሕንነቱን ህልውንኡን ከረጋግፀሉ ዝኽእል ቃልሲ ሃገርነት ፈሊሙ ነዊሕ ’ኳ እንተተጓዓዘ እቲ በሶሮ ፖለቲካ ትግራይ ሓሊኹ ኣወዲቕዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕዚ እውን ከይለዓል ብናህሪ ገጢሙ ኣሎ። እዚ ክበሃል እንተሎ ግን ህዝቢ ትግራይ መንነቱን ህልውንኡን ዓቂቡ ክነብር ዝገበሩ ፖለቲካውን ወታደራውን መራሕቲ ነይሮም እዮም። ፍፃመታት ኣዋርሕ ሰነ 2013ን 2017ን ዓ.ም ድማ ቀንዲ መግለፂ ታሪኽ ፖለቲካ ትግራይ ኮይኖም ንረኽቦም።

2. ክልተ ፍፃመታት ወርሒ ሰነ፡ 2013ን 2017ን ዓ.ም

2.1. ወርሒ ሰነ 2013 ዓ.ም

ስትራተጂካዊ ውድቀት መሪሕነት ውድብ ህወሓት ንትግራይ ብግብሪ ናብ ሓደጋ ዘእተወ መፈለምታ 2013 ዓ.ም እዩ ነይሩ። ህወሓት 1983 ዓ.ም ዝሓንሸሾ ሃገርነት ትግራይ ኣብ እዋን ልዕልና ስልጣኑ 27 ዓመታት ብዘፅደቖ ሕገ-መንግስቲ ተጠቒሙ ምምስራት ትግራይ ብትሑት ዋጋ ክውን ክገብሮ ይኽእል ነይሩ እዩ። ህወሓት ሃገርነት ትግራይ ናብ ከቢድ ዋጋ ዕዳጋ ዘእተዎ ግን ኣብ 2013 ዓ.ም ድሕሪ ወርሒ ሰነ እዩ። ኣብይ ኣሕመድ ወፍሪ ዘርኢ ምጥፋእ ትግራይ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ለይቲ ምስ ኣወጀ፤ ህዝቢ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ዝመፆ መዓት ብዝግባእ ተረዲኢዎ ኩሉ ዓይነት ቃልሲ ክገብር ኩሉ ክፋል ማሕበረሰብ ናብቲ ቃልሲ ተፀምበረ። ይኹን እምበር ብሰንኪ ፍሹል መሪሕነት ህወሓት ዕርዲ ዓርሰ-ምክልኻል ህዝቢ ትግራይ ብፀላእቲ ተጣሒሱ ከምታ ዝፈርሓ ግዳይ ኣረሜናዊ ተግባር ፀላእቲ ኮነ። ፖለቲከኛታት ትግራይ ገሊኦም ኣብ በረኻ፤ ገሊኦም ድማ ኣብ ከተማ ተሓቢኦም ነይሮም። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ወዲሰብ ብታሪኽ ተፈፂሙ ዘይፈልጥ ኩሉ ዓይነት ግፍዒ ተፈፀመ። ነዚ ብሔራዊ ውርደት እዚ ክዕገሱ ዘይከኣሉ ተጋሩ መናእሰይ ብዘይ ፖለቲካዊ መሪሕነት፤ ወነን ኒሕን ጥራሕ ሰኒቖም ናብ በረኻ ወረዱ። መንፈስ እቶም መናእሰይ፤ ህዝቢ ትግራይ ይትረፍ ዶ ኣብ ትሕቲ እዞም ኣረሜናውያን ርኢሱ ኣድኒኑ ክመሓደር ክፈቕዱ፤ ድሕሪ ሕዚ ምስ ’ዞም ኣረሜናውያን እዚኦም ሓቢርካ ምንባር ውርደት መሲሉ ይስምዖም ከም ዝነበረ ኣነ ባዕለይ ዝተዓዘብክዎን ዝረኣኽዎን ስምዒት ነይሩ። ብስሩ እውን ብሰላማዊ መንገዲ ብድርድር ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ ዝከኣል እኳ እንተዝኸውን፤ ድሕሪ ሕዚ ትግራዋይ ምስ ’ዞም ኣረሜናውያን እዚኦም ኮፍ ኢሉ ከውግዕ የብሉን ዝብል መንፈሳዊ ሓቦ ተዓጢቖም እዮም ንሜዳ ወሪዶም።

ኣብ ወፍሪ ኣሉላ ዝተሳተፉ ተጋድልቲ በዚ መንፈስ እዮም ተዋጊኦም። ብርግፅ እዚ መንፈስ እዚ ኣብ ኩሉ ትግራዋይ ከምዝነበረ ጥርጥር የብሉን። ካብ ውርደት ሞት ዝመረፀ፤ ግን ድማ ብሔሩ ካብ ውርደት ኣድሒኑ ዘለኣለማዊ ክብሪ ከጎናፅፋ ዝቖረፀ ተጋዳላይ ትግራይ ኣብ ሓፂር እዋን በዓል ዋና ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ኮነ። እቲ እኹል ስልጠና ዘይረኸበን ካብ ውሑዳት ኣረጊት ክላሽን ወፃኢ ካሊእ ዕጥቂ ዘይነበሮን ብቑፅሪ ኣዝዩ ውሑድ ተጋዳላይ፤ ብዘይ ፖለቲካዊ መሪሕነት ሞራላዊ ስንቅን ዕጥቅን ጥራሕ ሰኒቑን ተዓጢቑን ነቲ ዝሰልጠነን ዘመናዊ ዕጥቂ ዝተዓጠቐን ገዚፍ ቑፅሪ ዝነበሮ ፀላኢ ኣብ ሓፂር እዋን ከምዘይነበረ ገበሮ። ስርሒት ወፍሪ ኣሉላ ክብሪ ትግራይ ዝመለሰን ዘበረኸን፣ ንፀላእቲ ዘዋረደን ዘምበርከኸን፣ ጅግንነት ህዝቢ ትግራይ ንዓለም ዘፋለጠን ኮይኑ ህዝቢ ትግራይ ብዓለምን ኢትዮጵያን እንታይ ኢኻ ትደሊ ተባሂሉ ሕርያኡ ክሕተት ዝገበረ ስርሒት ጅግንነት ነይሩ። ምስጢር እዚ ገዚፍ ዓወት፤ ውፅኢት ውልቃዊ ብሔራዊ ሓልዮት ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ተጋድልቲ መናእሰይ እዩ ነይሩ። ውልቃዊ ብሔራዊ ሓልዮት ካብ ውልቃዊ ዓቕሚ እዩ ዝፍልፍል። ውልቃዊ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ልዑል ውልቃዊ ሞራል ዘለዎምን ስብእንኦም ውርደት ዝፅየፍን እዩ። እዚ ማለት እዞም ውልቀ ሰባት እዚኦም ኣብ ዝወፈርዎ ዓውደ ስራሕ ቆሪፆም ስለዝኣትዉ ብቐሊሉ ዝዕወቱን ከምዝዕወቱ እውን ዝፈልጡን እዮም። ንዝሰርሕዎ ስራሕ ድማ ሓላፍነት ይወስዱ።

ኣብ ወፍሪ ኣሉላ ዝተሳተፉ ተጋድልቲ ቅድሚ ኹሉ ናብ በረኻ ዝወፁ ምንባሮም ንኹሉ ግልፂ እዩ። ስለዝኾነ እዞም ተጋድልቲ እዚኦም ቅድሚ ኹሉ ናብ በረኻ ዝወፁን ኣብ ወፍሪ ኣሉላ ዝተዓወትሉን ምኽንያት ከምዚ ዓይነት ስብእና ዝነበሮም ኮይኑ ፖለቲካውን ወታደራውን ትግራይ እውን ባዕሎም ይውንንዎ ስለዝነበሩ እዩ። ውፅኢት ወፍሪ ኣሉላ ይትረፍ ዶ ፀላእቲ ወታደራዊ መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ እውን ከም ዘይገመትዎ ብዙሓት መስኪሮም እዮም። ኣብቲ እዋን ኣነ ኣብ ዝነበርክዎ ግምባር ምስ ‘ዞም ተጋድልቲ እዚኦም ካብ ዝነበረኒ ምቅርራብ ዝወሰድክዎ ትዕዝብቲ፤ ትግራይ ድሕሪ ናይዚኦም መስዋእቲ ግናይ ከምእትኸውን እዩ። ዝኾነ ኾይኑ ድሕሪ ወፍሪ ኣሉላ ፖለቲካውን ወታደራውን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ኢድ እዞም ዓቕሚ፣ ብሔራዊ ሓልዮትን ውልቃዊ ሞራላዊ ክብርን ዝነበሮም ተብዓት ወፂኡ፤ ኣብ ኢድ እቶም ሞራል ኣልቦን ሰነፋትን ወዲቑ። እንሆ ድማ ምስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተግባር ዘርኢ ምጥፋእ ዝፈፀሙን ዝፍፅሙ ዘለዉን ሓይልታት ምሕዝነት ፈጢሮም፤ ንይምሰል ኣብ መረባ እዞም ሓይልታት ኮይኖም ብዛዕባ ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን ትግራይ የውግዑ ኣለዉ።

2.2. ወርሒ ሰነ 2017 ዓ.ም

ድሕሪ ወርሒ ሰነ 2013 ዓ.ም ፖለቲካውን ወታደራውን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢድ ህወሓት ምስ ወደቐ፤ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እናተሓንሸሸን ረብሓ ኣልቦን እናኾነ መፂኡ፤ ትግራይ እቲ ሕዚ ዘላቶ ኩነታት ተፈጠረ። ብፍላይ ድማ ብልፅግና ኣብ ህወሓት ኣትዩ ንህወሓት ምስ ፈናጨላ ጥራሕ ዘይኮነስ ንገለ ልሂቃን ትግራይ እውን ምስ ዓደገ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኹ ገጢምዎ ዘይፈልጥ ብሔራዊ ሓድነቱ ኣብ ከቢድ ናይ ምብትታን ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። ነዚ ኩነታት በሪ ዝኸፈተ ፖለቲካ ህወሓት ምዃኑ ኣይከሓድን። ህዝቢ ትግራይ እቲ ሕዚ ካብ ብልፅግና/ኢትዮጵያ ዝፍልፍል ገጢሞሞ ዘለዉ ድሕንነታውን ህልውናውን ፀገማት ብተሳትፎ ኹሉ ዓቕሚ ትግራይ ዝፍታሕ ምዃኑ እምነት ኣብዝሓ ልሂቕ ትግራይ እዩ ነይሩ። ውድብ ህወሓት ግን ባይታ ተሳትፎ ዓፅዩ፤ ‘ስቕ ኢልኩም ኣነ ዝገብሮ ጥራሕ ረኣዩ’ በለ። እቲ ፀገም ግን ባይታ ተሳትፎ ምዕፃዉ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ፀገም ህወሓት ይትረፍ ዶ ፀገም ትግራይ ክፈትሕ እቲ ፀገም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናጋደዶ ምኻዱ እዩ። እዚ ነዃል እዚ ስርዓት ብልፅግና ብዝግባእ ተጠቒምሉ እዩ።

ኣብይ ኣሕመድ፤ ህዝቢ ትግራይ ብውሕሉል መሪሕነት ተመሪሑ ሓድነቱ ኣስጢሙ እንተገጢምሉ ከምዝስዕሮ ይፈልጥ እዩ። ስዕረት ህዝቢ ትግራይ ውፅኢት መሪሕነት ህወሓት ከምዝኾነ እምነት ኣብይ ኣሕመድን እቲ ሓቀኛ ልሂቅ ትግራይን እዩ። በዚ መሰረት ኣብይ ኣሕመድ በሶሮ መሪሕነት ህወሓት በዓል ውዕለትኡ ምዃኑ እኳ እንተፈለጠ፤ ኣብይ ኣሕመድ ሕመቕ ህወሓት መዝሚዙ ህዝቢ ትግራይ ብቐፃላይ ስግኣቱ ከይኸውን ሓድነቱ ምፍራስ ቀዳማይ ስርሑ ገበረ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተግባር ዘርኢ ምጥፋእ ዝፈፀመን ዝፍፅም ዘሎን ኣብይ ኣሕመድ፤ ‘ፀገም ትግራይ ህወሓት እዩ’ ክብል እንተሎ፤ ‘እወ’ ኢሎም ኣብ ጎኒ ኣብይ ኣሕመድ ዝተሰለፉ ተጋሩ ልሂቃን ብዙሓት እዮም። ገሊኦም ፀገምና ከይንፈትሕ ‘ህወሓት ዕንቅፋት ኮይኑ’ ካብ ብሔራዊ ሓልዮት ዝብገስ እዩ። ገሊኦም ግን ሕመቕ ህወሓትን ፀገም ትግራይን ናብ ውልቃዊ ረብሕኦም ክቕይሩ ዝቃለሱ እንትኾኑ፤ ኣብይ ኣሕመድ ተግባር እዞም ልሂቃን ልዕሊ እቲ ዝገመቶ እንተይኮነ ኣይተርፍን። ስልጣንን ገንዘብን እናሸለመ ድማ ፀረ ብሔራዊ ሓድነት ትግራይ መርዚ የትፍኦም ኣሎ። እቲ ዘሕዝን ግን ልሂቃን ትግራይ መረበቶም ገዲፎም ኣብ መረባ እቲ ክሳብ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተግባር ዘርኢ ምጥፋእ ዝፍፅም ዘሎን እተን ዝነበራ መሰረተ-ልምዓቱ ዘዕነወን ስርዓት ኮይኖም፤ ብዛዕባ ሰላምን ልምዓትን ትግራይ ዘተ ምግባሮም እዩ።

ሰነ 20፤ 2017 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ቀፅሪ ‘ስድስት ኪሎ’ ኣመራርሓ ውድባት ‘ብሔርተኛ ኢና’ በሃልቲ ሓዊሱ ዝተረኸብሉ ንትግራይ ዝምልከት ዋዕላ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ተኻይዱ። ቴማ እቲ ዋዕላ ብዛዕባ ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን ትግራይን ፈተናታቱን እዩ ነይሩ። እቲ መድረኽ ዘዳለወ ድማ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ እዩ። እቲ ቴማ ንትግራይ ኣድላዪ ምዃኑ ጥርጥር የብሉን። እቲ ዝተኻደሉ ዓዲ፣ ስርዓት፤ መዳለውን ተሳተፍትን እንትረአ ግን ንህዝቢ ትግራይ ሕማቕ ምልክት እዩ፤ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እውን ሕማቕ እዩ። ትግራይ ዘሎ ስርዓት ንከይፈቅድ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ካሊእ ሃገር እምበር ኣብ ኣዲስ ኣበባ-ኢትዮጵያ ምስ ‘ጀኖሳይደራት’ ፍፁም ክካየድ ኣይነበሮን። ካሊእ ትካል እምበር ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘዳልዎ መድረኽ ፍፁም ክኸውን ኣይነበሮን።

ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ‘ጀኖሳይድ’ ዝፈፀመን ሕዚ እውን ኮነ ኢሉ ብቐፃልነት ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ቀዳማይ ዕላምኡ ገይሩ ዝሰርሕ ዘሎን እዩ። ስለዚ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድን ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይን ብምንታይ እዮም ዝራኸቡ? ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ እቲ ዋዕላ ክካየድ ዝፈቐደሉ ምኽንያት፤ ኣብይ ኣሕመድ ሰላም፤ ዲሞክራስን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ከምዝብህግ ድዩ ዝንገረና ዘሎ? እቲ ዋዕላ ኣብ ሕቑፊ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ዝተኻየደሉ ምኽንያት፤ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ንሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ዝሓሸ ከምዝሕለቕ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ድዩ ዕላምኡ? ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኵናት ጀኖሳይድ ዝኣወጀ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ፤ ንሰላም ህዝቢ ትግራይ ድልየት ከምዘለዎ ድዩ ህዝቢ ትግራይ ይንገሮ ዘሎ? ኣረ ንምንታይ እዩ እቲ ዋዕላ ኩሉ መሰረተ-ልምዓት ትግራይ ኣዕንዩ ‘መቐለ በሻሻ ገይርናያ ኣለና’ ኢሉ ሓጎሱ ኣብ ኣደባባይ ተጠሊዑ ኣብ ዝገለፀ መራሒ ሕቑፊ ዝተኻየደ? ኣብይ ኣሕመድ ንህዝቢ ትግራይ ኮነ ኢሉ ትልሚ ነዲፉ ዘጥፍኦ ዘሎ ምዃኑ ብጋህዲ እናረኣናዮስ፤ ኣብይ ኣሕመድ ንህዝቢ ትግራይ ሰላም ከስፍን፣ ዲሞክራሲ ክፈጥርን ልምዓት ክዝርግሕን ይኽእል እዩ ብዝብል እምነት እዩ ድፍኢት ዝግበረሉ ዘሎ? ‘ሰላም፤ ዲሞክራስን ልምዓትን ትግራይን ፈተናታቱን…’ ኢልካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከይድካ ዋዕላ ምግባር፤ ልዕሊ ኣብይ ኣሕመድ ንሰላም፤ ዲሞክራስን ልምዓትን ትግራይ ፈተናታት ከምዘለዉ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ድዩ? ወይ ባዕሉ ፈተና ከምዝኾነ ገሊፅካ ክእረም ምግባር እዩ?

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንኵናት ጀኖሳይድ ትግራይ ገንዘብ ኣብ ምውፃእን ምልዕዓልን ግምባር ቀደም እዩ ነይሩ። ሕሉፍ ሓሊፉስ ኣብ እዋን እቲ ኵናት ንዘምሀሮም ተጋሩ ሰርቲፊኬት ዝኸልከለ ትካል እዩ። እዚ ኣብ ዘይስርሑ ኣትዩ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ነውሪ ዝፈፀመ ትካል ‘ሰላም፤ ዲሞክራስን ልምዓትን ትግራይን ፈተናታቱን…’ ዝብል ብዛዕባ ትግራይ መድረኽ ከዳልው እንተሎ፤ ንተጋሩ ፀርፍን ንዕቐትን ምዃኑ እናተፈለጠ፤ ምስታፍ ተጋሩ ልሂቃን ኣብዚ መድረኽ ንትግራዋይ ከቢድ ሞራላዊ ውድቀት ዶ ኣይኮነን? ብስሩ እውን ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዓለም ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን ካብ ዝፅየፉ መራሕቲ እንኮ ከምዝኾነ እናተፈለጠስ፤ ንምንታይ እዩ ኣብ ድርኩኺቱ ብዛዕባ ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን ትግራይ ዝምልከት ዋዕላ ክካየድ ዝተደለየ?

ስለዝኾነ ፍፃመ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ.ም ብኣንፃር ባህሪ ኣብይ ኣሕመድን ትሕዝቶን መልእኽትን እቲ ዋዕላን እንትንሪኦ፤ ንብሔራዊ ቃልሲ ትግራይ ከቢድ ዕንቅፋት እምበር ረብሓ የብሉን። ሓደ፣ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዓለም ዘይተፈፀሙ ተግባራት ዘርኢ ምጥፋእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፈፂሙ፤ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ድማ ብዝኣተዎ ውዕል መሰረት ሚልዮናት ዝተፈናቐለ ህዝብናን ኣስታት 50% ዝተቖፃፀሮ መሬትናን ክምልስ ፍቓደኛ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ ብሔራዊ ሓድነት ትግራይ በቲኑ እታ ዝተረፈት ንምቁፅፃር ሙሉእ ዓቕሙ ፀንቂቑ ዝሰርሕ ዘሎ ሓይሊ እዩ። ስለዝኾነ ባህግን ዕላማን ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ፤ እቲ ዝወልዖ ጎነፅ ተጋሩ ልሂቃን ምጉህሃር እዩ። እዚ ድማ ብሔራዊ ሓድነት ትግራይ በጣጢሱ ትግራይ ግዳይ ሕድ ሕድ ኵናት ብምግባር ኣብ ቑፅፅሩ ኣውዒሉ ብሔራዊ ቃልሲ ትግራይ ብፍላይ ድማ ቃልሲ ናጽነት ከምዘይልዓል ይገብሮ። ክልተ፤ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ‘ዲሞክራሲ ኣብ ትግራይ ክፍጠር ይደሊ እዩ’ ወይ ‘ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ዲሞክራሲ ንምትካል እትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ እዩ’ ዝብል እምነት እኳ እንተሃሊይና፤ በዞም ኣካላት እዚኦም ዝውነን ቃልሲ ዲሞክራታይዜሽን ኣብ ትግራይ ሱር ዘለዎ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ክትከል ፍፁም ኣይኽእልን። ከምዚ ዓይነት ብሓይልታት ወፃእ ኣብ ካሊእ ህዝቢ ዝግበር ከይዲ ተኸላ ዲሞክራሲ (Implanted democracy) ክሳብ ሕዚ ዝተዓወተ ዘየለ ኮይኑ መብዛሕቲኦም ብኣሜሪካ ተፈቲኖም ዝወደቐ ማሕበረሰብ (collapsed society) እዮም ፈጢሮም። እዚ ማለት ግን ብውሽጣዊ ቃልሲ ኣብ ዝፍጠር ዲሞክራሲ ፅዕንቶ ካልኦት ሓራ ህዝቢታት (demino effect) ፍፁም የለን ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ሓቀኛን ሱር ሰደደን ዲሞክራሲ ኣብ ትግራይ ንምፍጣር ብሔራዊ መንነትካ መሰረት ገይሩ ሓራ ኣተሓሳስባ ኣብ ህዝቢ ዘስርፅ ፅዕፁዕ ውሽጣዊ ቃልሲ እዩ ዝጠልብ።

ፍፃመ ወርሒ ሰነ፣ 2013 ዓ.ም ውፅኢት ፅቡቅ ታሪኽና እዩ። ውፅኢት ስርሒት ጀጋኑ፤ ካብ ጀጋኑ ተጋሩ ዝወረስዎ ታሪኽ ብሔራዊ ክብሪ እዩ። ስለዝኾነ ፍፃመ ወርሒ ሰነ፣ 2013 ዓ.ም ንታሪኽ ጅግንነት ብሔራዊ ክብሪ ትግራይ ዝዓቀበን ዘጉልሀን ብኡ ኣቢሉ ድማ ቃልሲ ምምስራት ሃገረ ትግራይ በሪ ዝኸፈተን ወርቃዊ ፍፃመ እዩ። ብኣንፃሩ ድማ ፍፃመ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ.ም ሕማቕ ውርሲ መሳፍንቲ ትግራይ እዩ። ጊላ ስርዓት ኢትዮጵያ ኮይኑ ትግራይ ዘዕነወን ብሔራዊ ክብሪ ትግራይ ዘሀገረን ናይ ውርደት ታሪኽ እዩ። ነዚ ሕማቕ ፖለቲካ ትግራይ ቀንዲ መግለፂ ክኸውን ዝኽእል ካብ ራእሲ መንገሻ ዮሃንስ ክሳብ ደገዝማቲ ገብርሄት መሸሻ ዝነበረ ፖለቲካዊ ተዋስኦ እዩ። ነዚ ቀንዲ ምኽንያት ካብ ሓፀይ ዮሃንስ ንድሓር ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ መንነት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውነትን ትግራዋይነትን ዝተንጠልጠለን ንመስፍናዊ ባህሪ ዘተባብዕን እዩ። እዚ ድማ መሳፍንቲ ትግራይ ህዝቢ ትግራይ እናደናገሩ ውልቃዊ ረብሐኦም ከረጋግፅ ዝኽእል ሓይሊ ሚዛን እናረኣዩ ክስለፉ ፅቡቕ ዕድል ፈጢሩሎም እዩ።

3. ካብ መንገሻ ክሳብ ገብርሄት መሸሻ

ድሕሪ ሞት ሓፀይ ዮሃንስ ትግራይ ብጂኦ-ፖለቲካውን ውሽጣውን ኩነታታ ነዛ ሕዚ ዘላ ትግራይ እያ ትመስል ነይራ። ብጂኦ-ፖለቲካ ብሰሜን ብጣልያን ብደቡብ ድማ ብምንሊክ ተቐርቂራ ነይራ። ብፍላይ ጣልያን ብቐፃላይ ኢትዮጵያ ንምውራር ዘኽእል ኤርትራ ንምሓዝን ምንሊክ ድማ ንጉሰ ነገስት ንምዃንን፤ ትግራይ ናይ ምድኻም ሓበራዊ ኣጀንድኦም ጋህዲ ገበሩ። ከቢድ ውግእ መተማ ንትግራይ ሓፀይ ዮሃንስ ጥራሕ ኣይኮነን ኣስኢንዋ፤ እንኮላይ መብዛሕቲኦም ብሉፃት ተዋጋእቲ መሳፍንትን ሰራዊትን ብምስኣና ምሒር ተዳኺማ። ኣብቲ እዋን እቲ ቀንዲ ውሽጣዊ ፀገም ትግራይ ዝነበረ ግን ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኣሉላን መንገሻን ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ጎነፅ ንብሔራዊ ሓድነት ትግራይ በቲኑ፤ ትግራይ ግዳይ ሽዋ ክትከውን ገይርዋ እዩ።

ጥበብ መሪሕነት ባህርይ ፀላእትኻ ብዝግባእ ብምርዳእ ተግባራዊ ስጉምቲ ምውሳድ እዩ። ምንሊክ ድማ በዚ ዝተዓደለ እዩ ነይሩ። ተጋሩ ብሕድ ሕዳዊ ጎነፅ ሓድነቶም ብምብታን ባዕሎም ንባዕሎም ምስ ተጣፍኡ ምቁፅፃር እምበር ዋላ እንተደኸሙ ኣብ ስጡም ሓድነቶም ተዋግኢኻ ምስዓር ከምዘይከኣል ፅኑዕ እምነት ነይርዎ። ስለዝኾነ ሓዊን ተጋሩን የመሳስሎም ነይሩ – ‘ተጋሩ ባዕሎም ንባዕሎም ተባሊዖም ምስ ጠፍኡ ትቆፃፀሮም፤ ሓዊ እውን ሓሞኽሽቲ ምስ ኮነ እዩ ክትሕዞ ትኽእል’ ብምባል ይገልፆም ነይሩ። ስለዝኾነ ምንሊክ ንመሳፍንቲ ትግራይ ብውልቃዊ ረብሓ እናደለለ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ከፋፊሉ ባዕሎም ንባዕሎም ክጣፍኡ ይገብር ነይሩ፤ ከምኡ እውን ኣብ ጎኑ ጠጠው ኢሎም ኣንፃር ትግራይ ክስለፉ ይገብር ነይሩ። ካሊእ ምንሊክ ትግራይ ንምድኻም ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሜላ መሳፍንቲ ትግራይ እናታለለ ናብ ሽዋ ብምውሳድ ምእሳርን ምቕታልን ነይሩ። ብሓፈሻ እዚኦምን ካልኦትን ትግራይ ንምቁፅፃርን ንምጥፋእን ዘኽእል ምንሊክ ዝፈጠሮ ሜላ ቅቡል ቀመር ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ወለዶታት ይጥቀምሉ ኣለዉ።

ድሕሪ ሞት ሓፀይ ዮሃንስ ምንሊክ ንመንገሻ ብምፍርራሕን ብምትላልን ኢዱ ክህብ ብምግባር ዘኽታም ትግራይ ንምቁፅፃር ክመፅእ እንተሎ ንሰራዊቱ ትግራይ ናይ ምጥፋእ ልኡኽ ሂቡ ንባዕሉ ብፀገም ትግራይ ዝሓዘነ ይመስል ነይሩ። ኣሉላ ድማ ንሽርሒ ምንሊክ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዝነበሮ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ርድኢት፤ ድኽምቲ ትግራይ ሓድነታ ዓቂባ ኣንፃር ሽዋን ካልኦት ሓይልታትን ወታደራዊ ግጥምን ፖለቲካዊ ልዝብን ክትገብር ከም ዘዋፅኣ ኣሚኑ ንተግባር ኢድ ምሃብ መንገሻ ተቓወመ። በዚ መሰረት ድማ ምንሊክ ብቐፃላይ ጠንቂ ሓድነት ተጋሩ ክኸውን ዝኽእል እቲ ዝምነዮ ሕድ ሕዳዊ ጎነፅ ኣብ መንጎ ጉጅለ መንገሻን ጉጅለ ኣሉላን ፈጠረ። ድሓር ግን ኣሉላ እውን ኣይተረፎን፤ ብምፍርራሕን ብምትላልን ምንሊክ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ክሳብ ኵናት ዓድዋ ኣብ ቁፅፅር ምንሊክ ፀንሐ። ኣሉላ ኣብ ኵናት ዓድዋ ጅግንነት እኳ እንተሰርሐ፤ ኣብ መወዳእታ ምስ መስፍን ትግራይ (ራእሲ ሓጎስ) ብንሕንሕ ስልጣን ተዋጊኡ እዩ ሞይቱ።

ራእሲ መንገሻ ንምንሊክ ኢዱ ምስ ሃበ መራሒ ትግራይ ኮይኑ እዩ ተሸይሙ። ብሓደ ወገን ራእሲ መንገሻ ሕቶ ንጉስነት መኣርግ ክወሃቦ ሓቲቱ ስለዘይተመለሰሉ ትእዛዝ ምንሊክ ምቅባልን ምፍፃምን እናነፀገ ኣብ መንጎኦም ቅርሕንቲ እናዓበየ መፀ። ብኻሊእ ገፅ ድማ ራእሲ ጉግሳ ኣርኣያስላሴ ‘ገዛኢ ትግራይ ምዃን ንዓይ እዩ ዝግባእ’ ብዝብል ምኽንያት ምስ ራእሲ መንገሻ ኣብ ዝኸረረ ጎነፅ ኣተዉ። እዚ ጎነፅ ክልተ ዓበይቲ መሳፍንትን ድኽምቲ ትግራይን ምንሊክ ብዝግባእ ተጠቐመሉ። ስለዝኾነ ምንሊክ ኣብ ልዕሊ መንገሻ እውን ስኑ ነኺሱ ስለዝነበረ ቀስ ብቐስ ንመሳፍንቲ ትግራይ ብስልጣንን ረብሓን እናደለለን እናታለለን ባዕሎም ንባዕሎም ክጓነፁ ጥራሕ ዘይኮነስ ንምሕደራ መንገሻ ክነፅጉን ንትግራይ ክኽሕዱን ብምግባር ሓድነት ተጋሩ ኣላሕሊሑን መንግስቲ ትግራይ ኣዳኺሙን ብራእሲ መኮነን ዝተመርሐ ሰራዊት ሽዋን ብሓገዝ መሳፍንቲ ትግራይን ንትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዐላ። ራእሲ መንገሻ ምሕረት ክግበረሉ ብድርድርን ብመሓላን ኢዱ እኳ እንተሃበ፤ መወዳእትኡ ግን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሽዋ እዩ ሓቒቑ ሞይቱ ተሪፉ። ትግራይ ድማ ጠቕሊላ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሽዋ ወደቐት።

ምንሊክ ኩነታት ትግራይ እናረኣዩ ማለት እውን ሕመቕ መሳፍንቲ ትግራይ እናገምገሙ ንትግራይ ዝገዝእ ካብ ሽዋ ይልእኹ ነይሮም። ድሕሪ ሞት ራእሲ መንገሻ ንትግራይ ክገዝእ ካብ ሽዋ ዝተልኣኸ ደገዝማቲ ኣባተ ዝበሃል እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ደገዝማቲ ኣብርሃ ኣርኣያ ‘ብሽዋ ኣይንግዛእን’ ኢሎም ካብ ሽዋ ንዝመፅእ ዝነበረ ኣባተ ኣብ መንገዲ ፀኒሑ ንምውቃዕ፤ ንመሳፍንቲ ትግራይ ፃውዒት ገይሩ ኣብ ራያ ዓረደ። መሳፍንቲ ትግራይ ገሊኦም ኣብ ሽዋ ነይሮም፤ ካብቶም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ እውን ካብ ሽዋታይ ገዛኢ ሓዱሽ ሹመት ክፅበዩ ብዙሕ ሓገዝ ከይረኸበ ዳርጋ በይኑ እዩ ገጢሙ። ምስ መንገሻ ንሽዋ ተወሲዱ ተኣሲሩ ዝፀንሐ ራእሲ ስብሓት እውን ምስ ምንሊክ ወገነ። ደገዝማቲ ኣብርሃ ‘ብሽዋ ኣይንግዛእን’ ብምባል ሓሪኑ እኳ እንተተዋግአ፤ ዝሕግዞ ስኢኑ ተሳዕረ።

ዝኾነ ኮይኑ ዘኽታም ትግራይ ድሕሪ ራእሲ መንገሻ እውን ኣብ ኢድ ንሕንሕ ሰለስተ ራእሲታት – ስዩም መንገሻ፣ ጉግሳ ኣርኣያ ስላሴን ስብሓት ኣረጋዊን ወዲቓ ዝገደደ ሓሳረ-መከራ ረኣየት። መሳፍንቲ ሽዋ ንመሳፍንቲ ትግራይ ብመውስቦ ሓኒቖምን ብስልጣን እናታለሉን ከም ባምቡላ እዮም ዝፃወትዎም ነይሮም። ኩሎም ዓበይቲ መሳፍንቲ ትግራይ መውስብኦም ካብ ሽዋ እዩ ነይሩ። መሳፍንቲ ሽዋ ንተጋሩ መሳፍንቲ ግዝኣትን ሽመትን ኣርኢ-ሕብእ ወይ ነቲ ሓደ ኣዕብይ፣ ነቲ ካሊእ ኣንእስ እናበሉ ባዕሎም ንባዕሎም ኣብ ከቢድ ጎነፅ ክፅመዱ ብምግባር ንትግራይ ኣብ ከቢድ ስቓይ ክትወድቕ ይገብሩ ነይሮም። ባህ ኣብ ዝበሎም ድማ ባዕሎም መፂኦም ይቐትልዋ ማለት እውን ይቆፃፀርዋ። ራእሲ ጉግሳ ምስ ሞቱ ደገዝማቲ ገብረስላሴ ባርያ ጋብር ሳልሳይ ተናሕናሒ ኮይኖም ናብቲ ንሕንሕ ኣተዉ። ብዙሕ ትግራዋይ ዝሃለቐሉ ኵናት ሕድ ሕድ ዓኾራ ደገዝማቲ ገብረስላሴን ራእሲ ስብሓትን ብሞት ራእሲ ስብሓት ተዛዘመ። እቲ ኵናት ምስ ራእሲ ስዩም እውን ቀፂሉ ደገዝማቲ ገብረስላሴ ግዲኡ ተሳዒሩ ናብ ዓፋር ሃደመ። ንሕንሕ መሳፍንቲ ትግራይ ብደገዝማቲ ሃይለስላሴ ጉግሳን ራእሲ ስዩምን ብዝኸረረ መልክዑ ቀፀለ። ኣሰላልፍኦም ድማ ደገዝማቲ ሃይለስላሴ ምስ ኤርትራ (ጣልያን) እንትኸውን ራእሲ ስዩም ምስ ሽዋ ወገነ። እቲ ናብ ሽዋ ዝወገነ ሓይሊ ንደገዝማቲ ሃይለስላሴ ንሽዋ ስዒቡ ዕሉል ባንዳ እንትብሎ እቲ ምስ ደገዝማቲ ሃይለስላሴ ዝወገነ ድማ ብመጥቃዕቲ ሽዋ እናስቆንቆነ ነቲ ናብ ሽዋ ዝኸደ ሓይሊ ተፀየፎ። በዚ መሰረት መሳፍንቲ ትግራይ ኣብ ክልተ ተኸፊሎም እናተዋግኡ ንህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ በጣጢሶም ዘርሞ ዘርሞ ኣትረፍዎ።

ክፋእ መሳፍንቲ ትግራይ እናገደደ ከይዱ ንሕቶ ዓርሰ ምሕደራ ብላታ ሃይለማርያም ረዳ ተቓዊሞም ምስ ሽዋ ኮይኖም ኣንፃር ብሔራዊ መሰል ዓርሰ ምሕደራ ትግራይ ኵናት ከፈቱ። ኣብዚ እዋን ዝነበሩ ከም እኒ ደገዝማቲ ገብርሄት መሸሻ ዝኣመሰሉ ተጋሩ መሳፍንቲ ድማ ብቕሉዕ ንሽዋ ተሓሊቖም ንዓርሰ ምሕደራ ትግራይ ብምቅዋም ንጭቆና ሽዋ ደጊፎም ኣብ ልዕሊ ኣንፃር ሽዋ ንመሰሉ ዝቃለስ ዝነበረ ውዳበ ብላታ ሃይለማርያም እዮም ኣፈሙዞም ዘቕንዑ። ገብርሄት መሸሻን መሓዙቱን ልኡኽ መሳፍንቲ ኢትዮጵያ ብዝግባእ ፈፂሞም ትግራይ ንመንግስቲ ሃይለስላሴ ኣሕሊፎም ሃብዋ። ሃይለስላሴ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ፈፀመ። መሳፍንቲ ትግራይ ናብ ንጉስ ሃይለስላሴ ቀሪቦም ንመራሒ እቲ ወያነ ዝነበረ ብላታ ሃይለማርያም ‘ንሽዋ ደፊሩ እዩ ’ሞ ይቀተል’ ኢሎም ጥርዓኖም ኣቕረቡ። እዚ ኹሉ ብሔራዊ ዕንወትን ሞራላዊ ውርደትን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንክመፅእ ዝገበሩ ነታ ዘይትረብሕ መስፍናዊ ስልጣን ካብ ሃይለስላሴ ምእንታን ክትትኮበሎም እያ። እዚ ካብ መንገሻ ክሳብ ገብርሄት መሸሻ ዝነበረ ሕማቕ ታሪኽ ትግራይ ሎሚ እውን ሕማም ፖለቲካ ትግራይ ኮይኑ ቀፂሉ ንትግራይ ግዳይ ገይርዋ ኣሎ።

4. ኣገዳስነት ብሔራዊ ተረኽ

ብሔር ብተረኽ እዩ ዝህነፅ። ተረኽ ብሔር እውን የፍርስ። ብሔር ብተረኽ ይህነፅ ማለት ፈለማ ልሂቃን (ፖለቲከኛታት ሓዊሱ) ብተረኽ ኣቢሎም ብሔራዊ ክብርታት እታ ብሔር ይሃንፁ። ሞራላዊ ልዕልና ዘለዎም ብሔራዊ ክብርታት እንተኾይኖም ድማ ብቐፃልነት ልዕልና እታ ብሔር ብቐሊሉ የረጋግፁ። እዚ ማለት ሞራላዊ ልዕልና ዘለዎም ብሔራዊ ክብርታት ብተረኽ ይህነፁ ማለት እዩ። ብሔራዊ ሞራላዊ ልዕልና ዘለዎ ማሕበረሰብ፤ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ካሊእ ህዝቢ ምዃን ስለዝፅየፍ ካብ ናይ ካልኦት ህዝቢታት ዝማዕበሉ ቁጠባዊ፣ ቴክኖሎጂያውን ማሕበራውን ትካላትን ይሃንፅ እሞ በዚኦም ኣቢሉ ድሕንነቱ የውሕስ፣ ህልውንኡ የቐፅልን ልዕልንኡ የረጋግፅን። ናብ እዋናዊ ቃልሲ ትግራይ ክመፅእ እንተለኹ፤ ቃልስና ቃልሲ ህልውና እዩ። ህልውናና ብምስረታ ሃገረ ትግራይ ከም ዝረጋገፅ ድማ ምልኣተ ብሔር እናረኸበ መፂኡ ኣሎ።

ሕዚ ጥንቃቐ ዘድልዮ ግን ዕውት ቃልሲ ናፅነት/ምስረታ ሃገር ንምክያድ፤ ቃልሲ ናፅነትና ከመይ ይማእዘን? ዝብል እዩ ዝኸውን። ቃልሲ ናፅነት ከም ዓይነት እቲ ቃልስን መጋጥምጥኻን ዋላ ኣብ ስዕረትካ ፍፁም ዘይጠሓሱ ሕመረት ክብርታት ኣለውዎ። ተጋሩ እታ ሃገርነት እንሓታ ግዝኣተ-ሓፀይ ተግባር ዘርኢ ምጥፋእ ፈፂማትልና ጥራሕ ዘይኮነስ ሕዚ እውን ትፍፅመልና እያ ዘላ። ስለዝኾነ ሕዚ ምስ ስርዓት ብልፅግና ኣብ እንገብሮ ርክብ ሕመረት ክብርታት ዘይጥሕሱን ንቃልሲ ናፅነት ዘይፃብኡን ክኾኑ ኣለዎም። ውዕል ፕሪቶሪያን ቀፀልቲ ርክባቱን ውፅኢት ስዕረትና እኳ እንተኾነ ንቡር ርክብ እዩ። ሕዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሕቑፊ ብልፅግና ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ብዛዕባ ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን ዝተኻየደ ዋዕላ ግን ንቃልሲ ናፅነት ጠቐሊሉ ዝቐትል ተረኽ ዘማዕብል ፍፃመ እዩ። እዚ ፍፃመ እዚ ህወሓት ድሕሪ ምፍንጫል ብነዊሕ ከይዲ ዝተፈጠረን ምስ ናብ ሻዕቢያ ዝወገነ ፍንጫል ህወሓት ብምንሕናሕ ዝማዕበለን እዩ። እዚ ኩነት እዚ መወዳእታ ንህወሓት ጥራሕ ዘይኮነስ ልሂቃን ትግራይ ናብ ክልተ ከፊሉ ብሔራዊ ኣጀንዳ ገዲፎም ኣብ ንሕንሕ ስልጣንን ውልቃዊ ረብሓ ምርግጋፅን ንክፅመዱ ገይርዎም እዩ። ዘይሩ ዘይሩ ባህሪ ሰይጣናዊ ኢትዮጵያዊ መንፈስን ብሔራዊ ክሕደትን ናይ ትማሊ መሳፍንቲ ትግራይ ሎሚ እውን ሕዱር ሕማም ፖለቲከኛታት ትግራይ ኮይኑ ቀፂሉ፤ ንትግራይ ሎሚ እውን ከምቀደም ብሔራዊ ሓድነታ በጣጢሱ ግዳይ ኢትዮጵያን ካልኦት ፀላእታን ገይሩ ናብቲ ዝኸፍአ ኵናት ሕድ ሕድ ዘምርሕ ዘሎ ይመስል።

5. እዋናዊ ውሽጣዊ ጎነፅ ትግራይ፡ ዝቐፀለ ሕማም ፖለቲካ መሳፍንቲ ትግራይ

ፍቕሪ ኣብይ ኣሕመድን ኢሳያስን ናብ ጎነፅ ተቐይሩ ዞባዊ መልክዕ ዝሓዘ ኵናት ክልቲአን ሃገራት ናብ ምልኳስ ገፁ ይመስል። ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኣምሓራ ዝነበሮ ጎነፅ እናኸረረ መፂኡ ኣሎ። ኣብ ኦሮሞ እውን ቅቡልነቱ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰኣነ ይኸይድ ኣሎ። ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ክምልሶ ዘይኽእል ብሔራዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ወዲቓ ኣብ ኢዱ ክትፈርሶ ምስ በለት፤ ኣሰር ታሪኽ ወለዱ ተኸቲሉ ኣብ ትግራይ ሕድ ሕድ ጎነፅ ልሂቃን ፈጢሩ ትግራይ ንምሓዝ ናብ ትግራይ ገፁ መለሰ። ኣብ ሓፂር ግዜ ከምቲ ዝደለዮ ኣብ መንጎ ህወሓት ጎነፅ ፈጢሩ ነቲ ሓደ ጉጅለ ቀልጢፉ ኣብ ቁፅፅሩ ኣእትይዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ልሂቃን ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት እውን ንጉጅለ ፍንጫል ህወሓት ስዒቦም ናብ ኣብይ ኣሕመድ ተጠርነፉ። ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ዘዕግብ ልሂቅ ትግራይ ምስ ሓዘ፤ ብሓደ ወገን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንምድኻምን ንምፍራስን ብዕቱብ ይሰርሕ ኣሎ። ብኻሊእ ገፅ ድማ ንጉጅለ ጌታቸው ዝድግፍ ትግራዋይ ዕጡቕ ሓይሊ ኣብ ምትእኽኻብን ምጥንኻርን ተፀሚዱ ይርከብ። እዚ ሓይሊ እዚ ‘ንጉጅለ ደብረፅዮን ህወሓት ኢና ንድግፍ’ ንዝብል ውሳነ ኮርን ልዕሊኡን ዝተቓወሙ ዝሓዘ ኮይኑ ካብ 1977 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ህወሓት ዝተሰጎጉ ኣመራርሓ ፖለቲካን ወታደራትን እውን ይሓቁፍ።

ብምፍንጫል ተጋሩ ልሂቃን ዝተሓጎሰ ኣብይ ኣሕመድ፤ በተን ኣዝዩ ኣብ ትግራይ ክህልዋ ዘይምነየን ‘ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን’ ዝበሃላ ኣምራት ቴማ ተነዲፉ ዋዕላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ፈቐደ። ኣብ ትግራይ ግን ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ኵናት ሕድ ሕድ ንምውላዕ ከም ቀንዲ ስርሑ ገይሩ ይንቀሳቐስ ነይሩ። ስለዚ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን ትግራይ ዋዕላ ንክካየድ ዕድል ዝፈጠረ ኣብ ትግራይ ሕድ ሕድ ኵናት ንምውላዕ ቀንዲ መሳርሒ ምዃኑ ስለዝፈልጥ እዩ። ከምውፅኢቱ ድማ ልሂቃን ትግራይ ኣብ ሕቑፊ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ብዛዕባ ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን ትግራይ እናዘተዩ እንተለዉ፤ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ኵናት ሕድ ሕድ ንምውላዕ እናተዳለወን ሰራዊቱ ድማ ናብ ትግራይ (ንኣብነት ብበርሓለ ከባቢ) እናፀግዐን ውዒሉ እዩ።

ዝኾነ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኣሜሪካ ሻዕቢያ ንምውጋድ ኣብ ጫፍ በፂሖም ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ሕዚ ግን ተጋሩ ፖለቲከኛታት ኣብ ክልተ ደምበ ተኸፊሎም ኣብ ንኒባዕሎም ምጥፍፋእ ቀዳማይ ሕርያኦም ከምዝገበሩ ምስ ረኣዩ፤ ኵናት ሕድ ሕድ ትግራይ ከቐድምሉ ዝኽእሉ ኩነታት ዝፍጠር ዘሎ ይመስል። እንተነኣሰ ክልተ ምኽንያታት ምጥቃስ ይከኣል። ሓደ፤ ድሕሪ ኵናት ሕድ ሕድ ትግራይ ኣዝያ ስለእትዳኸም መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋጋ ከይከፈለ ብቀጥታ ንትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ብምግባር ምስ ኤርትራ ናብ ዘለዎ ጉዳይ ብቐሊሉ ክሰጋገር ጥጡሕ ባይታ ስለዝፈጥረሉ እዩ። ክልተ፤ ብኵናት ሕድ ሕድ ዝተዳኸመት ትግራይ ይትረፍ ዶ ሕቶ ምምስራት ሃገር፤ ሕቶ ዓርሰ ምሕደራ ኣብ ዘይተልዕለሉ ብርኪ ክትወርድ ስለእትኽእል እዩ። ምኽንያቱ ድሕሪ ኵናት ሕድ ሕድ ኣብይ ኣሕመድ ሕቶ ሃገርነትን ዓርሰ ምሕደራን ከልዕሉ ዝኽእሉ ተጋሩ ፖለቲካዊ ልሂቃን ኩሎም ከም ዘወግዶም ግሁድ ሓቂ እዩ። ብተወሳኺ ኣብይ ኣሕመድ ይኹን ካልኦት ፀላእቲ ትግራይ ነቲ ኵናት ሕድ ሕድ ኣመራርሓ ህወሓት ንምውጋድ ክጥቀመሉ ዘይኮነስ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ኣካላውን ሞራላውን ሓዱሽ ወለዶ ከምዝዓርፍ ገይሩ ብቐፃሊ ኣያ ዘይብላ ትግራይ ንምትራፍ እዩ። ኣያ ዘይብላ ትግራይ ከመይ ምፍጣር ከም ዝከኣል ካብ ወለዶም ዝተምሃሩ ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ኢትዮጵያውያን ልሂቃንን ጥራሕ ዘይኮነስ ተጋሩ ፖለቲከኛታት እውን ብዝግባእ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ ሕዚ ንሶም ንዕኦም ትጥዕም ኣያ ዘይብላ ትግራይ ንምፍጣር መንገዲ ወለዶም ተኸቲሎም ይሰርሑ ኣለዉ። ተጋሩ ፖለቲከኛታት እውን ግዳይ ሕሙም ፖለቲካ መሳፍንቲ ትግራይ ኮይኖም ዘኽታም ትግራይ ንምፍጣርን ንምጥፋእን መንገዲ ወለዶም እናተኸተሉ ይርከቡ።

Editor’s Disclaimer:
The views and opinions expressed in articles published by UMD Media are those of the authors and do not necessarily reflect the official position or editorial stance of UMD Media. Publication does not imply endorsement.

Call for Contributions:
UMD Media welcomes contributions from readers, including opinion pieces, articles, rejoinders, and critical analyses in Tigrigna, Amharic or English. We encourage diverse perspectives and thoughtful engagement on the issues that matter. Submissions can be sent to our editorial team for review. While we may not publish every submission, we are committed to fostering open dialogue and informed public discourse.

Subscribe to our multilingual YouTube channel at youtube.com/UMDMedia 

1 thought on “ፍፃመታት ኣዋርሕ ሰነ 2013ን 2017ን ዓ.ም፡ ውፅኢት ተረኽናን ታሪኽናን”

  1. 1. ኣብ መጀመርያ ዓንቀጽ ድንሆ ሓሳብ ብሓሰታዊ ተረኽ ዝተጸልወ ይኡ። (ስልጣነ ትግራይ Vs ኣክሱም፥ ሃይማኖት ምኽንያት ውድቀት፥ ናይ ግብጺ & ኣምሓራ ሃይማኖታዊ ሓሰታዊ ሃይማኖታዊ ተረኻት = እዝኦም ኹሎም ብቑዕ መሰረት ዘይብሎም ፍብረኻ ተረኽ ይኦም።)

    2. እቲ ኣገላልጻ ትክክል ኮይኑ – ግን ሓቂ ይክሕድ እዩ (ጀነራላት ህወሓት ዝመርሑዎ ቃልሲ እዩ ነይሩ፤ ንባዕሊ እቲ ጽሓፊ እውን ብኦም እናተኣዘዘ/እናተመርሐ ይቃለስ ነይሩ።)

    2.2. ምቅዋም ምድጋፍ ዘሎ እንድዩ – ግን ክውንነት ብምኽሓድ ኣይኾንይ። እንድያውም ባዕሉ ንባዕሉ እዩ ተሓታቲ ክገብር ዝግባእ – “ፖለቲከኛ እየ” እናበለ ድሌቱ ብኻልኦት ክፍጸመሉ ዘይደሊ ተኾይኑ ማለት ይኡ።)

    ካልእ ግን፦
    1) ኣብ መቐለ ንጌታቸው ረዳ ካሕሳይ ክቐትል ዝጓየይ ኣዛዚ፥ ፖለቲከኛ፥ ደጋፊ፥ … እናርአኻ ንምንታይ ኣድስ ኣበባ ትኸድ/ትእከብ ምባል ታይ ዓይነት ትርጉም ይህብ?

    2) ብናይ ባዕላዊ መነጽር (ናጽነት) ኣብ ትግራይ ናይ ደሕንነት ስግኣት ንዘለዎም ልሂቃን (ፖለቲካዊ & ወታደራዊ) ኣብ ኣድስ ኣበባ ንምንታይ ትኸዱ/ትእከቡ ምባል ብዓርሱ ህወሓትነት እዩ። (ወይ ንዓይ ምሰል ወይ ከሓዲ ኢኻ – ህወሓትነት።)

    3) ምስቲ ባዕሉ ጽሓፊ ኣብ ታሕቲ “ብሔር ብተረኽ ይህነጽ ይፈርሰ” ዝበሎ ይቃረን እዩ።

    ኣብ መወዳእታ
    ትግራይ ዓዲ ስሑት ተረኽ ምዃና እዚ ፅሑፍ ሓደ መርኣያ እዩ። ትማሊ ይኹን ሎሚ ድማ ብስሑት ተረኽ ንዓርሱ ዘጥፍእ ሊህቅ ወንኑዋ ነቲ ንጹህ ሕ/ሰብ እናብረሶ ይርከብ።

    ጽሓፊ እውን ኣብ ዮሓንስን ቅድሚኡን ዘሎ ተረኹ በቲ ናይ ህወሓት ብሄርተኝነት ተረኽ ዝተቓነየ ይመስል። (ንኣብነት ምፍልላይ ኤርትራ & ትግራይ #ሚኒሊክ (ቅድሚ 130 ዓመት) ተሓታቲ ይገብር፤ ንመለስ ዜናዊ (ቅድሚ 30 ዓመት) ግን ክነኽኦ ኣይደለየን። “መርጦ ኣልቃሽነት” ዶ ኻልእ?

    ን”ናጽነት” ዘበቅዕ ተረኽ ሞ ይትረፍ ዝሓሸ ሕብረት ክፈጥር ዝኽእል ተረኽ ምሙካር ይሐይሽ።

Comments are closed.

Scroll to Top