ግራንች በርሀ ፀጋይ (ዶ/ር)
ሓምለ 14 2017 ዓም ዝተፅሓፈ
1. መእተዊ
ፖለቲካዊ ፅምዶ ማለት ኽልተ ወይ ካብ ኽልተ ንላዕሊ ሓይልታት ፖለቲካ ዕላምኦም ንምስዃዕን ረብሖኦም ንምርግጋፅን ስትራቴጂካዊ ወይ ስልታዊ ናይ ሓባር ኣሰላልፋ ቃልሲ ምፍጣር ኽንብሎ ንኽእል ኢና። ፅምዶ ብዝተፈላለዩ ደፋእትን ሰሓብትን ምኽንያታት ኽፍጠር ይኽእል እዩ። እቲ ምኽንያት ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ እቶም መፃምዲ ዝኾነ ረብሓ ከሕልው ወይ ኺሳራ ኽካፈሉ ግና ናይ ግድን እዩ። ፅምዶ ካብ ርዕዮተ ዓለም እውን ኽብገስ ይኽእል። ኮሚኒስት ሃገራት ኮሚንዝም ናይ ዓለምና ስርዓት ንምግባር ብሓበር ኮሚኒዝም ይለምልም ኢሎም ፋይናንስ ገይሮም መስዋእቲ ኸፊሎም ፣ ሊበራል ዓድታት እውን ኸምኡ። ስለዚ ዓለም ትምራሕ ፣ ትፍራሕን ትሕመስን ብፅምዶ እዩ።
ኣብ ዓለም ብዙሓት ፖለቲካዊ ፅምዶታት ተራእዮም ኽሳዕ ሐዚ እውን ይርኣዩ እዮም። ኣብ ፖለቲካዊ ፅምዶ እቲ ዋና ምኽንያት መብዛሕትኡ ግዘ ካብ ድፍኢት ዝብገስ እዩ። ናይቲ ፅምዶ ዋና መበገሲ ናይ ሓበር ፀላኢ ንምፍርራሕን ንምውቃዕን ዝዓለመ እዩ። ፀላኢኻ ሓቢርካ ብምምካት ስግኣትካ እተወግደሉ ስልቲ እዩ። ኣብ ዓለምና ካብ ዝተርኣዩ ዓበይትን ጉልሃንን ፅምዶታት ምጥቃስ እውን ይከኣል እዩ። ኣብ ቀደማይ ኩናት ዓለም ሰዓራይ ኮይነን ዝወፃ ሃገራት ካብ ብጀርመን ዝምራሕ ሴንትራል ፓወርስ ዝመፅእ ሓደጋ ንምዕጋት ኣላይድ ኔሽንስ (ዪናይትድ ኪንግዶም፣ ፈረንሳይ ፣ ራሽያ ን) ዝብሃል ፅምዶ ቀዲመን ምፍጣረን ዝመፀ ዋና ዓቕሚ ብዝፈጠረኦ እዩ። ተነሓናሕተን እውን ዋላ ‘ኳ ፅምዶ እንተፈጠራ ክዕወታ ግና ኣየኽኣለንን። ካብዚ እንግንዘቦ ፅምዶ ስለዝፈጠርካ ጥራሕ ትዕወት ማለት ከምዘይኮነ እዩ። ዝተፀንዐን ዓብዩ ምትእምማን ዝፈጠሮን ፅምዶ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ኲናት ካልኣይ ዓለም እውን ፈለማ ናይ እንግሊዝን ፈረንሳይን ፅምዶ ንምንቅስቓስ ጀርመንን ኸምዝዓገቶ ቀፂሉ ድማ ናይ ኣሜሪካን ናይ ሶቭየት ሕብረትን ስልታዊ ፅምዶ ብምምፅንባር ስርዓት ናዚ መሊኡ ንኽሱዓርን ንኽጠፍእን ኣኽኢሉ እዩ። ውፅኢቱ ድማ NATO ኣውሊዱን ምሕደራ ዓለም ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተቖፃፀረን ሓይሊ ፈጢሩ። ናይ ሶቭዮት ሕብረት ምፍራስ እውን ኣብ እዋን ዝሑል ኩናት ዝደመቐ ፅምዶ ኣሜሪካን ኣውሮፓን እዩ ዶዃዕዃዕ ኣቢሉ ኣግሂድዎ። ኣብዚ ዘበን እውን እንተኽነ ዪክሬን ንውቅዒት ራሽያ ክሳዕ ሐዚ ኽትሽከም ኣኽኢልዋ ዘሎ ምስ NATO ብምፅማዳ እዩ። እስራኤል ኣብ ዓለም ከም ጎብለል ዘቑፅራ ዘሎ ምስ ኣሜሪካ ምፅማዳ እዩ። ራሽያን ቻይናን እውን ናይ ኣሜሪካ ገባሪ ሓዳግነት ንምቁቛም ታክቲካዊ ፅምዶ ኸም ዘለዎን ንዕዘብ ኢና።
ናብ ኣፍሪካ እንትመፅእ ኮሎንያሊዝም ንኸብቅዕ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ኣፍሪካ ዝነበረ ፅምዶ ዕዙዝ ግደ ተፃዊቱ እዩ። ኣብነት ንምጥቃስ ኩዋሜ ንኩርማህ ፣ ኣሕመድ ሴኮ ቱሬን ማዲቦ ኬታን ዝመስረትዎ ሕብረት ጊኒ-ጋና-ማሊ ከም ዓብዪ መንደርደሪ ፅምዶን ፓን- ኣፍሪካዊ ስምረትን ኣንፃር ገዛእቲ ደርብታት ምውሳድ ይከኣል። ኻሊእ ኣብ ሞንጎ ህዝባዊ ወያነ ሰራዊት ዝምባብዌን ኢምኬንቶ ዊ ስዝዌን ዝተብሃሉ ናይ ዝምባብዌን ደቡብ ኣፍሪካን ዑጡቓት ዝተገበረ ፅምዶ ኣንፃር ገዛእትን ውሑዳት ፀዓዱን ዝተገበረ ዕውት ቃልሲ ምጥቃስ ይከኣል። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፅምዶታት ተዘይውለዱ ነይሮም ኹነታት ኣፍሪካን ዓለም ኻሊእ ቅርፂ ምሓዘ ነይሩ ኢልካ ግምት ምቕማጥ ይከኣል እዩ።
ናብ ኢትዮጵያ እንተመፂእና እውን ፅምዶ ህወሓት ሻዕብያን ከም ዓብዪ ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል እዩ። ፈለማ ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ሓይልታት ኣብ ምጥፋእ ብሓባር ተሰሊፎም። ንኣብነት ምድምሳስ ምንቅስቓሳት ትግሓት ፣ ኢድዩ ፣ ጀብሃን ካልኦትን ካብዚኦም ምልዓል ይከኣል እዩ። ደሓር ድማ ዋላ ፖለቲካዊ መትከሎም ዓብዪ ፍልልያት ይንበሩ ኹሎም ፍልልያት ትሕቲ ስርዓት ደርጊ እዮም ብምባል ስትራቴጂክ ፅምዶ ፈጢሮም። ነዙይ ድማ ተጋደልቲ ህወሓት ኣብ መላእ ኤርትራ ተዋጊኦም ፣ ኣዋጊእም ፣ ሰንኪሎምን ተሰዊእምን ተቓለስቲ ህግደፍ ድማ ኸምኡ። ድፋዕ ከይፈለዩ ሓንቲ ሽርጥ ተኸዲኖም ተቓሊሶም እንትስውኡ ድማ ከይተፈላለዩ ኣብ ሓንቲ መቓብር ከይተፈላለዩ ዓሪፎም። ሻላ ፅምዶ ድማ ደርጊ ዶዃዕዃዕ ኣቢሎምዎ።
ንኣብነት ህወሓት ምስ ሻዕብያ ምፅማዱ እዞም ዝስዕቡ ረብሓታት ረኺቡ እዩ። ቀዳማይ ህልውና ህግደፍ ዓቕሚን ሓይልን ደርጊ ንኽከፋፈል ስለዝገበሮ ካብ ደርጊ ኽመፅእ ዝኽል ዝነበረ መጥቃዕቲ ክቕንስ ኣኽኢልዎ። ኻልኣይ ተጋደልቲ ህወሓት ናይ ወታደራዊ ስልጠናን ኣሰልጠንትን ኽረክብ ስለዝሓገዞ ኣብ ሓፂር ግዜ ብቑዕ ሰራዊት ኣብ ምህናፅ ሓጊዝዎ። ሳልሳይ ካብ ፀላኢ ዝማረኹ ከበድቲ ኣፅዋራት ወድያውኑ ናብ ተኹሲ ንምእታው ሰብ ልምዲ ተቓለስቲ ሻዕብያ ተጠቒሙን ተጋደልቱ ኣዐሊሙን። ራብዓይ ኣብ ዝፃዕፀዐ ውግእ እውን ከይተረፈ ቀጥታዊ ሓገዝ ረኺቡ እዩ።
ብወገን ሻዕብያ ድማ እቲ ቀዳማይ ምስቲ ቀዳማይ ረብሓ ህወሓት ዝፃመድ ኮይኑ ህግደፍ ግና ኣብዚ ዝዓዘዘ ረብሓ ይዓትር። ምኽንያቱ ድማ ደርጊ ካብ ናይ ህወሓት ህልውና ናይ ህግደፍ ህልውና ዝበለፀ የቖጠዖ ስዝነበረ እዩ። ካልኣይ ኣብ ዝፃዕፀዐ ውግእን ሻዕብያ ተደፊኡ ኣብ ናቕፋ ክቕበር ኣብ ዝተቓረበሉን ሳላ ምስ ህወሓት ዝፀመደ ተጋደልቲ ትግራይ ካብ ኣፍ ሞት ኣውፂኦም ህልውንኡ ኣውሒሶምሉ እዮም። ሳልሳይ ብሃይለስላሰን ብደርግን ተነፂጉ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዘእተወ ጉዳይ ሃገርነት ሳላ ምስ ህወሓት ምፅማዳ ኢትዮጵያ ናይ ሪፈረንደም ዕድልን ኣፍልጦ ሃገርነትን ብሰናይ ፍቓዳ ፈላመይቲ ኾይና ንኽትህብ ኣኽኢልዋ።
ውድብ ኢህወዴግ እውን ከም ሓደ ሃገራዊ ፣ ኣህጉሪውን ዓለም-ለኻውን ፅልዋ ዝፈጠረ ፅምዶ ሓይልታት ትግራይ ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያን ገይርካ ምውሳድ ይከኣል እዩ። ናይዚ ፅምዶ ፖለቲካዊ ፣ ዲፕሎማሲያውን ልምዓታዊን ተፅእኖታት ብኣሉታ ይኹን ብኣወንታት ዕዙዝ ኸምዝነበረ ማንም ኣይስሕቶን። ቀንዲ ምኽንያት ምፍራስ ኢህወዴግ እውን እንተኾነ ፅምዶ ኣብ ውሽጡ ዝነበሩ ኦህዴድን ብኣዴንን ብዝገበርዎ ፍሉይ ፅምዶ እዩ። ስለዚ ፅምዶ ዝደለኻዮ ኽትተክልን ዘይደለኻዮ ኽትብቁስን የእኽል እዩ።
ስለዚ ፅምዶ ዝነበረ ፣ ዘሎን ዝህሉን ቀንዲ መረጋገፂ ረብሓ ሃገራትን ሓይልታትን እዩ። ዋላ እኳ ፅምዶ ኣድላዩ እዩ እንተበልና እንታይ ሒዝካ ትፅመድ ፤ ኣብቲ ፅምዶ ግደኻ እንታይ እዩ ፤ ካብቲ ፅምዶ እትረኽቦ ዓስቢ እንታይ እዩ፤ መፃምድኻ እንታይ ሒዙ ይፅመድ፤ ካባኻ ዝደልዮ እንታይ እዩ ዝብሉ ኽምለሱ ኣለዎም። ብዋናነት ድማ ዝኾነ ሓይሊ እንትፀምድ ኣብ ድርድር ዝኣትውን ዘይኣትውን ረብሓታቱ ኽንፅር ይግባእ። መፃምዱ ድማ ኣብ ድርድር ንዘይኣትው ረብሓታት ኸምዘለው ተቐቢሉ ኣብ ድርድር ንዝኣትው ረብሓታት ድማ ፍትሓዊ ርድኢት ኽወስድ ይግባእ። ንኣብነት ሐዚ ብዘሉናዮ ብርኪ ብናተይ ርድኢት ጉዳይ መሰል ዓርሰ ውሳነ ፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ኣፍልጦ ዘርኢ-ምጥፋእን ትግራይ ኣብ ድርድር ዘይኣትው ረብሓታት ትግራይ እዮም። እዚኦም ምስ ዘይቅበል ፈፂምካ ኽትፀምድ ኣይብልካን። ኣብ ድርድር ዝኣትው ረብሓታት ድማ ምስረታ ሃገረ ትግራይ ፣ ምጥንዃር ሰራዊት ትግራይን ተወሳኺ ግዝኣት ምስፋሕን ወዘተ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ድርድር ዝኣትው ረብሓታት ማለት ዘይንግደሰሎም ማለት ኣይኮነን ኮታ ደኣስ ዘይምህላወም ዘምፀአልና ጉድኣት ዘይህልየሉ ዕድል እንተተፈጢሩ ማለት እዩ። ንኣብነት ጉዳይ ሃገረ-ምስረታ እንደራደረሉ ኢትዮጵያ ዴሞክራሳያዊት ሃገር እትኾነሉ ዕድል እንተሃልዩ ማለት እዩ። ጉዳይ ህላወ ሰራዊት ትግራይ እንትንደራደር ድማ ትግራይ ካብ ፃሕተርቲ ኲናት ዝሕልው ውሕስ ሓይሊ እንተተፈጢሩ ማለት እዩ። ተወሳኺ ግዝኣት ዘውሕስ ሓይሊ እንተተረኺቡ ድማ በለፀ። ኸምዚ ዓይነት ኹነታት ኣብ ዘይከኣለሉን ህልውና ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝኣተወሉን ግና ኹሉ ገዲፍካ ህልውና ምስ ዘረጋግፅ ስልታዊ ፅምዶ ትገብር።
2. ትግራይ ፅምዶ ትጠልብ ‘ ዶ?
ናብ ዋኒንና እንትንኣቱ ትግራይ ትማሊ ብዝጨፍጨፍዋ ኽልተ ፀላእቲ ሓይልታት ተኸቢባ ኣላ። ናይ ብልፅግናን ሻዕብያን ምትፍናን ግና ዋላ ምስ ኽልቲኦም ስትራቴጅካዊ ፅምዶ ዘፍጥር ሞራል ኣይሃሉ ህልውናኣ ንምርግጋፅ ግና መሪፃ ምስ ሓዲኦም ስልታዊ ፅምዶ ንኽትገብር እቲ ዓውዲ ይፈቅድ እዩ። እትገብሮ ስልታዊ ፅምዶ ግና ህልውንኣ ካብ ምውሓስ ሓሊፉ ስትራቴጂክ ረብሓታት ትግራይ እውን ብዘላቕነት ኸረጋግፅ ከም ዝኽእል ምጥማት የድሊ። እንትንፀምድ ድማ ፅምዶና ኽዕወት ኸምዘለዎ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ነገር ግልፂ ክኸውን ዘለዎ ዝመረፅና ኽንመርፅ ናይቲ ፅምዶ ጎብለል ዝገብረና ኹነታት የለን። እቲ ኻሊእ መንገዲ ግጥም እዞም ሓይልታት ዘይሻራዊ ኾይንካ ምርኣይ እዩ። እዚ ግና ዘይከኣል እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ዘይሻራዊ ዝገብር ኹነታትን ነንርእሶም ኽሻብ ዝዋፅኡ ዘኽእል ግዘን ህልውናና ይፍትኖ እዩ። ኻሊእ ዘይሻራዊ ኢና ምባል ባዕሉ ምስ ብልፅግና ኾነ ሻዕብያ የላትመና እዩ። ሳልሳይ ኣብ ልዕሌና እንትታኾሱ ቁምብላታት ኣብ ዝባንና ምዕላቡ ኣይተርፎን። ራብዓይ ዘይምስዕዓረም እንተነዊሑ ስቓይ ህዝብና እዩ ዝነውሕ። ሓምሻይ ኣብ መወዳእታ ሰዒሩ ዝወፅእ ሓይሉ ገፁ ናባና እዩ። ሻድሻይ ንሳቶም እንትጋጠሙ ዓቕሚ ኣፈርጢምና ኽንፀንሕ ዘኽእል ዕድል የለን ምኽንያቱ ፖለቲካዊዊን ኢኮኖሚያውን መፃወቲ ቁልፊ ኣብ ኢድ ኣብይ ኣሕመድ እዩ። ስለዚ ምእንተህልውናና ፅምዶ ግድን ይኸውን ማለት እዩ።
ሓይልታት ትግራይ መፃምዲ ኽነናዲ ኣድላዪ እንተደኣኾይኑ ፈለማ ውሽጣዊ ሓድነትና ኽነረጋግፅ ይግባእ። ውሽጣዊ ሓድነት እንተዘይሃልዩና ፀመድና ኣይፀመድና ፣ ቖሰልና ተሰዋእና ንበለል እዩ። ሓድነትና ዝረጋገፅን ዝሕሎን ድማ ፍትሓዊ ረብሓ ተጋሩ ብምውሓስ ፣ ንፁር ኣንፈት ቃልሲ ብምሕንፃፅ ፣ ገባታይ ኣተሓሳስባ ብምፍሻል ፣ ሓድሽ ወለዶ ዋና መራሕን ቐላሳይን ቓልሲ ብምግባርን ካልኦት ሓድነትና ካብ ዝዘርጉ ምንቅስቓሳት ዓርስና ብምግላልን እዩ። ቀፂሉ ድማ ኣብ ቀረባ ዝርከቡ መማረፅቲ ሓይልታት ምፍላይ የድሊ። ብቑረባና ሓይልታት ኣምሓራ እንተሪኢና እቲ ዝሓሸ ሓይሊ ዝበሃል ንባዕሉ ኣማራ ፋኖ እናበለ ዝፅውዕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዘሎ ሓይልታት እዮም። ምስ እዞም ሓይልታት ስልታዊ ፅምዶ ንምግባር ግና ፈታናኒ ዘይኸውንን እዩ። እቲ ዋና ምኽንያት መሰል-ዓርሰ ውሳነ ትግራይ ስለዘይቅበሉን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ጎቢጦም ዝወሰዱን እቲ ተረኽ የቐፅሉ ስለዘለውን ገባታይ ኣተሓሳስባ ዝተሸከሙን ምዃኖም እዩ። ብተወሳኺ ድማ ምእኹል ውዳበ ስለዘይብሎም ንፁርን ፅኑዕን ፅምዶ ኽህልወካ ኣይፈቅድን። ኻሊእ ከም መማረፂ ኽውሰድ ዝኽእል ኦነግ እዩ። ኦነግ ግና ብህወሓት ዝምራሕ ሓይሊ ትግራይ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ገፊዑና እዩ ዝብል ቅርሕንቲ ኣለውም። ድሕሪኡ እውን እንተኾነ ምስ ሰራዊት ትግራይ ዋላ እኳ ብልፅግና ንምውቃዕ ፅምዶ ገይሮም እንተነበሩ ሱራዊት ትግራይ ሽዋ ምስ በፅሐ ግና ንኣዲስ ኣበባ ኹይኣትው ካብ ኦነግ ተቓውሞ ኸምዝነበረ ይፍለጥ። ብድሕሪኡ ድማ ፅምዶ ህወሓትን ኦነግን ኣሰር-መሰደሩ ጠፊኡ እዩ። ነዚ ፅምዶ መሊስካ ናብ ስራሕ ብምእታው ዝረጋገፅ ረብሓ ትግራይ ድማ የለን። ካሊእ መማረፂ ክኸውን ዝኽእል ብርጌድ ንሓመዱ እዩ። ኣብዚ ከም ኣወንታ ዝውሱደ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ፈተውቲ ትግራይ ምዃኖምን ኣብ ዓፀባ ተፈቲኖም ዘይከሓዱን እዮም። ይኹን ደኣ ‘ምበር እቲ ዘሎ ኹነታት ምስ ብርጌድ ንሓመዱ ምፅማድ ካብ ዘለናዮ ሽግር ኸውፀአና ኣይኽእል። እቲ ዋና ምኽንያት ብርጌድ ንሓመዱ መቃለሲ ባይታ ዘይብሉን ኣብ ስደት ዝነብርን ስምዒታዊ መንእሰይ እዩ። ካብ ሰላማዊ ሰልፊ ሓሊፉ ዓርሲ ኽኢሉ ጠለባት ትግራይ ኸማልእ ስለዘይኽእል። ስለዚ ፅምዶና ጠለባትናን ረብሓናን ኸማልእ ምስ ዝኽእል ሓይሊ እንተኾይኑ ካብ ብልፅግናን ሻዕብያን ሓደ ኽንመርፅ ንግደድ ማለት እዩ። ብኻሊእ መልክዑ እንተርኢናዮ ድማ ብወገን ኤርትራ ይኹን ብወገን ኢትዮጵያ ዘለው ጠንባሻት ሓይልታት ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ምስ ሻዕብያ ወይ ምስ ብልፅግና ዝሰርሑን ዝምወሉን እዮም። ስለዚ ካብ ሻዕብያን ብልፅግናን ስልታዊ ሕርያ ገይርና ትግራይ ካብ ዘላቶ ዓፀባ ንመወዳእታን ንሓዋሩን ኽነውፀኣ ይግባእ።
3. ፅምዶ ሓይልታት ትግራይ ምስ ብልፅግና
ናይ ትግራይ ሓይሊ ምስ ብልፅግና እንተፀሚዱ ናትና ዋና ኣበርክቶ ዝኸውን ጀነራላትን ሰራዊትን እዩ። ሽትኡ ድማ ሻዕብያ ኣጥፊእኻ ንኢሳያስ ኣውሪድካ ፖለቲካ ኣስመራ ምቁፅፃር እዩ ክኸውን። ካብዚ ከም ተጋሩ እነትርፎ ቂም ሻዕብያን ኢሳያስን ምውፃእ እዩ። ምናልባት ብወገን ብልፅግና እውን ከም መጠበሪ ኢንተርኔት ፣ ስልክን መብራህትን ከየቆራረፀ ብግዝያውነት ኽስደደልና ይኽእል። ካሊእ ጥር ትብል ካብዚ ዝዘለለ ረብሓ ግና ኣይረኣየንን።
ሻዕብያ እንተጠፊኡ ናትና ዕድል እንታይ ይኹውን ዝብል ኽምለስ ይግብኦ። ካብ ባህርታት ኣብይ ኣሕመድ ተልዒልካ ኣብ ኣስመራ ናይ ባዕሉ ተልኣኣኺ እዩ ኽሽወም። ተጋሩ ድማ ናይቲ ፅምዶ ጎብለል ስለዘይኮንና ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ኾነ ኢኮኖሚያዊ ተሳትፎ ኣይህልወናን። ምናልባት እውን ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ እትሕወሰሉን ዕድል ከመቻችው ቅርፃን ስርዓታን ድማ ናብ መስከረም 1945 ዓ/ም ዝወስድን ሓደገኛ ኣጋጣሚ ክገብሮ ይኽእል። ብድሕሪኡ ድማ ተጋሩ ውሑዳት ኮይንና ናይ ኣብዪ ኣሕመድ ባርያታት ኮይንና ንኽንቅፅል ይገብር። ኣብዪ ኣሕመድ ብቐጥታ 360 ኸቢቡ ዝበለና ንገብር ማለት እዩ። ኣብዚ ግልፂ ክኸውን ዘለዎ ተጋሩ ኣስመራ ኣቲና ፖለቲካዊ ስልጣን ኽንዝውርን ኽንወርስን ዘኽእል ውሽጣዊ ዓቕምን ዓለም ለኻዊ መስርሕን የብልናን። ስለዚ ውፅኢት ናይዚ ፅምዶ ባርያ ምዃን እዩ። ባርያ ድማ ዘውሕሶ ረብሓ የብሉን።
4. ፅምዶ ሓይልታት ትግራይ ምስ ሻዕብያ
ናይ ትግራይ ሓይሊ ምስ ሻዕብያ እንተፀሚዱ ናትና ዋና ኣብርክቶ ዝኸውን ተዋጋኣይ ሰራዊትን መዋግኢ ሜዳን ምዃንፀሓይ ዝዘበጦ ሓቂ እዩ። ካብ ሻዕብያ እንረኽቦ ድማ ሰራዊት ኸም ዘሎ ኾይኑ ብዋናነት ከበድቲ ተተኮስቲ እዩ። ካብ ዕፅዋ 360 ድግሪ ድማ ንእሽተይ መተንፈሲ ንረክብ። ፅምዶ ህወሓትን ሻዕብያን ሓዲሽ ዘይክነስ ደርጊ ንምውዳቕ ዝተኸተልሉ ስልቲ ምድጋም እንትኸውን ካብ ሽዑ ፍሉይ ዝገብሮ ግና ኤርትራ ሃገር ስለዝኾነት ምስ ካልኦት ሃገራት ሓገዝን ዕዳጋን እትፍፅመሉ ዕድል ምህላው እዩ። ኣብዚ ብልፅግና ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኽወስዶ ዝኽእል ናይ ኣገልግሎት ምቁራፅ ዓብዩ ፈተና እዩ። ካብ ዝሓለፈ ኽባን ዕፅዋን ግና ዝኸፍአ ኣይኸውንን። ናይ ብልፅግና ስጉምቲ ድማ ኣዋጅ ሃገረ ትግራይ ኽፈጥንን ኽዝንግዕን ወሳናይ ይኸውን። በዚ በለ በቲ ናይዚ ፅምዶ ሽቶ ንብልፅግና ስዒርካ ንኣብይ ኣሕመድ ኣውዲቕካ ኣዲስ ኣበባ ምቁፅፃር እዩ። እዚ ድም ምስ ጉንበት 1983 ዓ/ም የመሳስሎ። እቲ ሓቂ ናይዚ ፅምዶ ጎብለል እውን ሻዕብያ እዩ ድልየቱ ድማ ንህወሓት ሓሽከር ገይሩ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኽብዝብዝ እዩ። ናይዚ ፅምዶ ውፅኢት ግና ተጋሩ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ እንቆፃፀረሉ ዕድል ይፈጥር እዩ። ምኽንያቱ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብድሕሪት ኾይኑ ኽዝውር እምበር ብቕሉዕ ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላይ ሚኒስቴር ክኾን ዘየኽእሎ ጉዳይ ኣሎ። ኤርትራ ሉዓላዊት ሃገር እያ። ተጋሩ ግና ብስም ኢትዮጵያውያን ስለዞኾንና ናይ ኣዲስ ኣበባ ፖለቲካ ፣ ታንክን ባንክን ዳግም ኽንዓትርን ኽንመርሕን ዕድል ንረክብ። ምስ ሻዕብያ ዘሎ ፅምዶ ድማ ብጥበብ ኣብ ከይዲ ናይቲ ፅምዶ ጎብለል ንኾነሉ ዕድል ንፈጥር። ተዘይደሊና እውን ህልውናና ምስ ኣረጋገፅና ቻው ንብሎ። እዚ ስልታዊ ፅምዶ እዩ።
ፖለቲካ ፣ ባንክን ታንክን ኢትዮጵያን ምሓዝ ድማ ብዙሓት ዕድላት ይፈጥረልና። ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ፌደሬሽንን ተጠቒምና ጆኖሳይድ ትግራይ ብኣዋጅ ኣፍልጦ ኽወሃቦ ንገብር። ዓለም ድማ ኽትክተለና እያ። ቀፂሉ ናይ ኢትዮጵያ ሃፍቲ ተጠቒምካ ትግራይ ካሕሳ ኽትረክብን ዳግም ኽትህነፅን ንምግባር ምዕሩይ ባይታ ይፈጥር። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተበቲኑ ዝርከብ ሃፍቲ ትግራይን ተጋሩን ናብ ትግራይ ንኽእከብ ዝተፋላለዩ መማረፂታትን ስልትታትን ንምጥቃም በሪ ይኸፍት። ንኣብነት ዘይተንቀሳቐስቲ ንብረታት ብናይ ባንኪ ዕዳን ልቓሕን ወይ እውን መሸጣ መልክዕ ናብ ትግራይ ምዝዋር ይከኣል። ሃገረ ምስረታ ትግራይ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ድማ ፈለማ ንኦሮምያን ሶማልያን ብፍቓዶም ወይ ተደፊኦም ሃገር ክኾኑ ብምግባር ብቐሊሉ ሃገር እንኾነሉ ባይታ ኽነነዲ የኽእለና። ስለዚ ምስ ሻዕብያ ተተኻኢሉ ስትራቴጂካዊ ተዘይኮይኑ ድማ ስልታዊ ፅምዶ ምፍጣር ረብሓ ትግራይ ኸረጋግፅ ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ከም ስክፍታ ኽለዓል ዝግብኦ ንፍርቂ ኽፍለ-ዘበን ሽርሒን ሕማቕ ኣመልን ሻዕብያ ኣብ ግምት ብምእታው ብመሪሕነት ህወሓት ዝፍጠር ፅምዶ ከብለዐና እዩ ዝብል ስግኣት እዩ። እዚ ግና ናይቲ ፅምዶ ኸምፅኦ ዝኽእል ረብሓ ዘይኮነስ ናይ መሪሕነት ጉድለት ኣለና ኢና ንብል ዘለና። ስለዚ ክኸውን ዘለዎ መሪሕነትና ኽነዐሪ እምበር ፅምዶ ምኹናን ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ሰባት እቲ ፅምዶ ምስ ካልኦት ሓይልታት ኤርትራ እንተዝኸውን ግርም ነይሩ ይብሉ። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግና ትግራይ ንእትጠልቦ ፅምዶ ናብ ድርድር ሒዞም ዝቐርቡ ነገር ኣይብሎምን። ብዕራይ ምስ ዘይብሉ ፈታዊኻ ብዕራይ ተላፊንካ ኽትፀምድ ኣይትኽእልን። ኻሊእ ስክፍታ ድማ ንሕና ኢትዮጵያውያን እስካዕ ዝኾንና ምስ ሻዕብያ ፀሚድካ ኣንፃር ብልፅግና ዝግበር ቓልሲ ብዓይኒ ኢትዮጵያውያን ከም ከሓድቲ ሃገር ተገይርና ኽንውሰድ ኢና ዝብል እዩ። እዚ ግና ንሳቶም ንዓና ኸፅንቱ እንትሰርሕዎ ንቡር ኣንሕና ህልውናና ንምርግጋፅ እንትንሰርሖ ነውሪ ዝኾነሉ ምኽንያት የለን። መንገዲ ምርግጋፅ ህላወና ንዘይጥዕሞን ዝፃረርን ዝኾነ ሓይሊ ዒም ዝበሉ ይተሓጎም እዩ እቲ መልሲ ኽኸውን። ኣሜሪካን ኣውሮጳን ኣብ ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ጂኦ-ፖለቲካ ምቁፅፃር ዘለዎም ህንዱድ ድልየትን ኣብ ሻዕብያ ዘለዎም ኣሉታዊ ምልከታን ርድኢትን እውን ምስ ሻዕብያ ምፅማድና ስለዘየሕጉሶም ከቢድ ፅልዋ ከስዕበልና ከምዝኽእል ይግመት። ኢትዮጵያውያን ከይኺርዩ ዓለም -ለኸ ኹነኔ ኽገጥመና እዩ ኢልና ግና እናረኣና ኣይንጠፍእን። ዛዕባ ኢትዮጵያ ይኹን ዛዕባ ዓለም ዘገድሰና እንትንህሉ ጥራሕ እዩ።
ኻሊእ ድማ ኣብ ወፃኢ ዓድታት ዘለው ኤርትራውያንን ውድባትን ኣብ ጎንና ስለዝተሰለፉን ሰብ ውዕለትና ስለዝኾኑን ምስ ሻዕብያ ፅምዶ ምግባር ከቐይሞም እዩ ዝብል ስነ-ሞጎት እዩ። እቲ መሰረታዊ ነገር ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንፍትሒ ወጊኖም ንዕንደራ ሻዕብያ እዮም ተቓዊሞም። ኣብ ፀገምና ምሳና ጠጠው ኢሎም ሕውነቶም ስለዘረጋገፁልና እውን ኽነመስግኖም ይግባእ። እቲ ጉዳይ ግና ንፋሉሉነት ወራርን ጨፍጫፍን ሻዕብያ እዮም ተቓዊሞም እምበር ንረብሓ ኤርትራ ተቓዊሞም ኣብ ፍሉይ ረብሓ ትግራይ ኣይተሰለፉን። ምስ ብዱል እዮም ጠጠው ኢሎም። ሐዚ ምስ ሻዕብያ ዝግበር ፅምዶ ድማ ረብሓ ኤርትራ እውን ዘውሕስ እምበር ህዝቢ ኤርትራ ዝብድል ኣይኮነን። ዝኾኑ ይኹን ግና ዝተወሰኑ ኤርትራውያን ከይኹርዩ ኢልካ ተዓፂኻ ኽትጠፍእ ይትረፍ እሞ ዓብዪ ረብሓ ትግራይ እውን ኽትገድፍ ኣይትኽእልን።
5. ህወሓት ኣሚንካ ትፅመድ‘ዶ?
ፈለማ ፅምዶ እቲ ዝበለፀ ሕርያ ድዩ ኣይኮነን? ምስ መን ከ ትፀምድ ፣ ወዘተ ዝብሉ ጉዳያት መዕለቢ መልሲ የድልዮም። ዋና ናይቲ ፅምዶ ምህላውን ዘይምህላውን ከምኡ እውን መፃምድኻ ምምራፅን ንትግራይ ብዘምፀኦ ውፅኢት ረብሓ እዩ። ኣባይ ብዕራይ ዘለዎ ሓረስታይ እንተኽኢሉ ነቲ ብዕራይ የፅርዮ እንተዘይክኢሉ ዋላ ሸይጡ ይቕይሮ.፤ ብዕራየይ ኣባይ እዩ ኢሉ ካብ ልፍንቲ ቦኺሩ ከይዘርአ ግና ኣይኸርምን። ወይ ድማ ካብ ምስ በዓል ተዋጋኣይ ብዕራይ ዝላፈን ምስ በዓል ዝብኢ ይሐሸኒ ኢሉ ብዕራዩ ኣብሊዑ ኣይብላዕን። ካብ ምስ ዝብኢ ትላፈን ምስ ግመል ምልፋን እንተነኣሰ ተፀቒጥካን ተሩጊፅካን ብሂወት ኽትፀንሕ ይገብሩካ። ስለዚ ካብ ምስ ሓይልታት ኢትይጵያ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ኤርትራን ዝፍጠር ፅምዶ ስትራቴጂካዊ ረብሓ ዘረጋግፅ እንተኾይኑ ዋላ እቶም ኣባያት ህወሓትን ሻዕብያን ሒዝና ኽንላፈን ምኽንያታዊ ይገብሮ። እንተኽኢልና ከክብዕራይና ነፅሪ እንተዘይክኢልና ድማ ኣባያት ኣብዑርና ተላፊንና ፀሚድና ዘሪእና ንኸርም። ሰናይ-ዘበን እንትመፅእ ድማ ብጥዑይ ብዕራይ ንሓርስ።
6. መደምደምታ
ኢትዮጵያን ኤርትራን ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ቅሉዕ ጎንፂን ውግእን ምእታወን ዝተርፍ ኣይመስልን። እቲ ውጥጥ እስካዕ መዕለቢ ዘይረኸበ ድማ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ እናተበኣኣሰን እናተሓላለኸን ኽኸይድ ይገብሮ። እቲ ዝኸፈአ ድማ ትግራይ ዘይሻራዊ ኾይና ግጥም ብልፅግናን ሻዕብያን ኽትዕዘብ ኣቀማምጣ መሬታን ፖለቲካዊ መዋቕራን ኣይፈቅድን። በቲ ሓደ ገፅ ትግራይ ኸይረገፁ ኽደባረዩ ኣይኽእሉን በቲ ኻሊእ ገፅ ዘይሻራዊ ምዃንና ኸም ፀላኢን ስግኣትን ስለዘቑፅር እቲ ስዒሩ ዝወፅእ ሓይሊ ገፁ ናብ ትግራይ ምዛሩ ኣይተርፍን። ስለዚ እቲ ውግእ እዩ ናብ ቀፃሊ ዝተሓላለፍ እምበር ኣይተርፍን። እቲ ዝኸፍአ ዝገብሮ ድማ ትግራይ ፍርቂ ግዝኣታ ተጎቢጡ ህዝባ ተበቲኑ ኣብ ዘለዎ ግዜ ዋላ ዘይሻራዊ ሓይሊ ኮይነ ኽፀንሕ ዝብል መማረፂ እንተወሲዳ ንቀፃሊ መመከቲ ዝኾና ወታደራዊ ኾነ ኢኮኖሚያዊ ጥንካረ ክተዕቢ ዘኽእላ ዕድል የለን። ምኽንያቱ ብኹሉ ኣንፈት ተኸቢባ እያ ኽትፀንሕ። ስለዚ ትግራይ ካብ ዘላቶ ዓፀባ ንምውፃእ ካብዞም ኽልተ ተተፋነንቲ ሓይልታት ሓደ መሪፃ ስትራቴጂካዊ ወይ ስልታዊ ፅምዶ ኽትገብር ይግባእ።
ምስ ብልፅግና ዝግበር ፅምዶ ውዒሉ ሓዲር ባርያ ናይ ምዃን ጉዕዞ እዩ። ንድሕሪት ተመሊስካ ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሰ ምትካል ማለት እዩ። ባርያ ድማ ረብሓን መሰልን ክሓትት ዘይኽእል ዕጥቂ ዘይብሉን ክህልዎ እውን ዘይሓስብን ዘልኣለማዊ ናይ ሰብ ንብረት ማለት እዩ። ባንኪ፣ ታንክን ሓሳብን ዘይብሉ ውዓል ኣብ ዝተብሃሎ ኣሜን ኢሉ ይውዕል። ከም በጊዕ እንተተሓረዱ እውን እሺ ኢሉ ዝቕበል እዩ። ባርያ ወነ፣ ባህልን ታሪኽን እውን የብሉን። ብተነፃፃሪ ምስ ሻዕብያ ዝግበር ፅምዶ ስትራቴጂካዊ መሓዛ ምዃን እኳ እንተኸቢዱ ስልታዊ ብዝኾኑ መንገዲ ሓሽከር እዩ ዝገብረካ። ሕሽክርና ካብ ባርነት ብብዙሕ ዕፅፊ ይዛይድ እዩ። ሓሽከር ታሪኽን ባህልን ኣለዎ። እንተነኣሰ ሓሽከር መን ‘ዶ ኾን ኢሉ ብኹርዓት ኸፈክር ዝኽእል ወነ ኣለዎ። ሓሽከር ምዃን ግዝያዊ እዩ በዓል ዕጥቂ ድማ ይገብረካ። ሓሽከር ቀፃሊ ንጉስ ናይ ምዃን ዕድል እውን ኣለዎ። ሓሽከር ናይ ጥቕሚ ተቛዳሲ እውን እዩ። ስለዚ ታንኪን ባንክን ኣብ ምውናን ይሳተፍ እዩ። እታ ዝትተርፎ ብልሓት ምውናን ስልጣን እያ እንተለቢሙ ድማ ንጉስ ይኸውን።
ፖለቲካ ኣስመራ እንተወዲቑ ገንጊኑ ዝወፅእ ብልፅግናን ኣብይ ኣሕመድን እዩ። ብድሕሪኡ ድማ ዝኾነ ናይ ትግራይ ሓይሊ ኣብ ፖለቲካ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ፀላዊ ክኸውን ዝፈቅድን ዘኽእልን ሃገራዊ ኾነ ዓለምለኻዊ ሕጊ ፣ ኣመኽንዮ ወይ ባይታ የለን። ኣብ ፖለቲካ ትግራይ እውን ዝኾነ ብፅሒት ኣይወስድን ኮታ ደኣስ እንከይፈተውኻ ባርያ ኣብይ ኣሕመድ ትኸውን። ፖለቲካ ኣዲስኣበባ እንተወዲቑ ግና ፖለቲካ ፣ ባንክን ታንክን እትዮጵያ ብቐጥታ ንምውናን ኢትዮጵያውያን እስካዕ ዝኾንና ሃገራውን ዓለምለኻውን ሕግን ኣመኽንዮን ኣለና። ቀፂልና ታይ ንገብር ኣብ ልብምናን ጥበብን ተጋሩ ይወሰን። ይኹን ዳኣ ‘ምበር ፅምዶ ሻዕብያ ናብ 1983 ዓ/ም ስለዝወስደና ካብ ዝሓለፈ እንዘይተማሂርና ተመሊስና ናብ ዓፀባ ምእታውና ኣይተርፍን። ስለዚ ድሕረ ዓወት እንገብሮ ኸይዲ ወሳናይ እዩ። ስለዚ ፅምዶ ሻዕብያ ብኣቛራፅ ፀገማት ዝፈትሕ ዘይኮነስ ኽፍተሐሉ ዝኽእል ዕድል የምፅእ። እቲ ዕድል ምጥቃም ድማ ኣብ ብልሓትን ዓቕሚ ሓሳብን ተጋሩ ይውሰን። እዚ ኹሉ ኸይዲ ዕውት ኽኸውን ግና ውሽጣዊ ሓድነት ተጋሩ ምውሓስ ወሰናይ ሚና ይፃወት።
Editor’s Disclaimer:
The views and opinions expressed in articles published by UMD Media are those of the authors and do not necessarily reflect the official position or editorial stance of UMD Media. Publication does not imply endorsement.
Call for Contributions:
UMD Media welcomes contributions from readers, including opinion pieces, articles, rejoinders, and critical analyses in Tigrigna, Amharic or English. We encourage diverse perspectives and thoughtful engagement on the issues that matter. Submissions can be sent to our editorial team for review. While we may not publish every submission, we are committed to fostering open dialogue and informed public discourse.
Subscribe to our multilingual YouTube channel at youtube.com/UMDMedia
