ትግራይ ካብ ዘይዛሪ ኩይናት ከመይ ገይራ ትውፃእ?

ሰዋስወ ሰለሞን

ሓምለ 16፣ 2017 ዓ.ም

ከም PDF ንምንባብ 

1.     ድሕረ ባይታ ኩይናት ትግራይ

ትግራይ ካብ ዓሰርተ ትሽዓተ  ስልሳታት ጀሚራ ኣብ ዘየቋርፅ ደማዊ ኩይናት ኣላ  እንተይልና ካብ ሓቂ ዝርሓቀ  ኣይኮነን። ኣብ በረኻ ደደቢት ሽግ ወያነ  ወሊዕና ተባሂሉ ካብ ዝዝረብ ጀሚሩ፣ ትግራይ ደማዊ ኩይናት ንክተተኣናግድ ዘገድድ መዋእል ተሸኪማ ትጉዓዝ ኣላ። በቢ እዋኑ ወለዶታት እንዳበልዐ ዝስጉም ፖለቲካዊን ወታሃደራዊን ሃዋህው ተዳዕኒና፣ ከይዳ ከይዳ መዋፅኦ ንኽተናድየሉ ኣዐርዩ ኣብ ዘጸግም መንቀርቀር ዝጠሓለት ትግራይ፣ ሕዚ ኣይ ንቅድሚት ኣይ ንድሕሪት ጋሃን፣ መሃን ኮይና ጠጠው ኢላ ትርከብ።

ህወሓት ምስ ተጋሩ ማለት እዉን ምስ ኢድዩ፣ ግጋሓት፣ ኢሃፓ፣ ናይ ባዕሉ ኣባላት፣ ሃፍታም ገባር ወዘተ  ዝወለኦ ኩይናት  ብዝፈጠሮ በሰላ ሕድሕድ ኩይናት፣ ቁስሉ ብቀሊሉ ዘይሓዊ ምዃኑ በቢ እዋኑ ካብ ዝልቀቁ ዘለዉ፣ ውሽጣዊ ቃንዛን ስቃይን ዝወለዶም መፃሕፍቲ ምርዳእ ይከኣል። ምስ ደርጊ ብዝገበሮ  ኩይናት ‘ዉን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገዲፍዎ  ዝሓለፈ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቁስሊ ከይኣክል ካሊእ ኣበሳ  ይወልድ ከምዘሎ ካብ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ እነተኣናግዶ  ዘለና  ፅንተታዊ ኩይናት ሕያው ምስክር እዩ። ኣብ መጀመርያ  ተስዓታት ምስ ስርዓት ህግደፍ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ምኽንያት  ‘ውን ካብ ክልቲኡ ወገን ብዙሕ መንእሰይ ካብ ምብላዑ ብተወሳኺ፣ ከምኡ ‘ውን ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታት ትግራይን ኤሪትራን ኣዝዩ  ካብ ምሕሳዩ  ንላዕሊ፣ ኣብ ዝተፈጸመና ፅንተታዊ ኩይናት ናይ ሰራዊት ህግደፍ ተራ ዕዙዝ ክኸውን ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ህዝቢ ትግራይን ኤሪትራን ናብ ንቡር ማሕበረ-ቁጠባዊ፣ ከምኡ እውን ሰላማዊ ፖለቲካዊ ርክብ ክትመልሶም ኣዐርዩ  ኣፀጋሚ ክኸውን ገይርዎ ይርከብ።

ብምኽንያት ናይ ህወሓት ዘይዉሕሉል ኣተሓሕዛ  ፖለቲካ  ኢትዮጵያ፣ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ልዕሊ ኣበሳ  ዘይብሉ ህዝቢ ትግራይ ጫፍ ጭካነ ዝሓዘ መጠቃዕቲ ክፍፅሙ ገይርዎም እዩ። ዝንቡዕ ፖለቲካዊ ስግግር ኢትዮጵያ፣ ብርሰትን ህልቀትን ተጋሩ ኣብ ዘይዛሪ ዓንከል ተሸሚሙ ንክቅፅል ድማ ሓደ  ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።

ብኣጠቃላሊ ኣብ ውሽጢ ተጋሩ ዝተፈፀመ  ሕድሕዳዊ ኩይናት፣ ደርጊ ንምውዳቅ ዝተኸፈለ መንእሰይ፣ ቁጠባን ዕድል ትግራይን፣ ኣብ መጀመርታ  ዓሰርተ  ትሽዓተ  ተስዓታት ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝተገበረ ኩይናት ዝተበልዐ መንእሰይን ዝባኸነ  ሃፍተ  ገነትን፣ ከምኡ እውን ብምኽንያት ዝፍነወልና  ዘሎ  ዘይዛሪ ፅንተታዊ ኩይናት ዝበልዖ ዘሎ ህዝቢን ሃፍተ ገነትን ብተወሳኺ፣ መንእሰይ ትግራይ ብዙሕ ዘይዝረበሉ ግን ድማ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሉ እዩ።

ብዙሕ ግዘ  ድሕሪ ውድቀት ደርጊ፣ ካብ 1983 ዓ.ም ጀሚሩ እስካብ ምፅኣተ  ስርአት ብልፅግና 2010 ዓ.ም፣ ኢትዮጵያ ኣብ ኣንፃራዊ ሰላማዊ ኩነታት ነይራ  ተባሂሉ ይዝንቶ። ኮይኑ ግን ኣብ ድሕሪ ኣንፃራዊ ሰላማዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፍል መንእሰይ ትግራይ ከምዝነበረ ክንስሕቶ ዘይግባኣና  ወድዓዊ ሓቂ እዩ። ስርዓት ህወሓት/ኢህወዴግ ንምጥንኻር እንትብሃል፣ ኣብ ልዕሊ ዕጡቃት ተቋወምቲ ዝፍፀም ዝነበረ  ጥቅዓት ብዓወት ንክዛዘም መስዋዕቲ እንዳኸፈለ ዝመፀ  ብዋናነት መንእሰይ ትግራይ እዩ። ዕጡቃት ሓይሊታት ኦነግ ንምድኻም ተባሂሉ ኣብ ሽንጥሮታትን በረኻታትን ኦሮምያን ደቡብ ኢትዮጵያን መንእሰይ ትግራይ ወዲቁ እዩ። ብስልቲታት ደባይ ኩይናትን ወታሃደራዊ ጥበብን ዘይንዓቅ ዓቅሚ ዝነበሮም ዕጡትቃት ተቃወምቲ ውድባት ኦጋዴን – ONLFን ኣል-ኢታሃድን – ንምድኻም እንትብሃል ኣብ ሓሸዋታት ኦጋዴን ዝተረፈ መንእሰይ ትግራይ፣ ገዛ  ይቁፀሮ። ብተወሳኺ ኣል-ሸባብ ንምውቃዕ ኣብ ዝተገበረ  ወፍሪ እውን መስዋእቲ ትግራዋይ ዕዙዝ ከምዝነብር ምግማት ይከኣል።

ኮታስ እዚኦም ኩሎም ኩይናታት ክንርኢ ከለና፣ ካብ ዓሰርተ ትሽዓተ  ስልሳታት ጀሚሩ እስካብ ሕዚ ንከፍሎ  ዘለና መስዋእቲ ስኽን ኢልና  እንተተንቲናዮ ከቢድን ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዝተኸፈለ መስዋእትን እዩ። ክንድዚ ዝኣክል መስዋእቲ ከፊልካ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ተዝወፅእ ነይሩ ኣይምኸፍአን። ብግልባጡ ናብ ኣዐርዩ  ዝኸፍአ ውድቀት ክንጥሕል ገይሩና ኣሎ። ስለዚ ኣብዚ ብርኪ እዙይ ኮይና ተጋሩ ክነልዕሎ  ዝግባኣና  ሕቶ፣ እዚ ኩሉ ህልቆ-መስፈርት ዘይብሉ መስዋእቲ ናበይ ኣሰጋገረና? ዝብል ሕቶ  እዩ። መልሱ መንበብቲ ከከም ኣተሓሳስበኦም ክዝትይሉ ንአኦም ገዲፈዮ  ኣለኹ። እቲ ካብዚ ቀፂለ ከቅርቦ  ዝደለኹ ጉዳይ ግን፣ ሕዚ ብመነፅር ፀጥታዊን ጂኦፖለቲካዊን መቃን ኣብ ምንታይ ኩነታት ንርከብ? ዝብል ሕቶ እዩ።

2.    ውሽጣዊ ኩነታት ትግራይ

ትግራይ ካብ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ከቢድ፣ ንምግላፁ  ‘ውን  ዘፀግም፣ ኩለመዳያዊ ማሕሰይቲ ጥሒላ ትርከብ። ስርዓት ብልፅግና ኣብ ጎኑ ክስለፉ ዝኽእሉ ሓይሊታት ኣሰሊፉ ፅንተታዊ ኩይናት ካብ ዝዕውጀላ ግዜ ጀሚሩ ዘሎ  ድማ፣ በቢማዕልቱ ናብ ዝኸፍአ ሰብኣዊን ፀጥታዊን ቅልውላው እንዳሰመጠት ትርከብ። ኣብ ትግራይ ህልቀት፣ ሞት ውልቀ ሰባት፣ ስደት፣ ጥምየት፣ ዘረፋ፣ ጉሕለት፣ ብርሰት ከባቢ፣ እስካብ ምቅታል ዝኸይድ ጎንፂ ውልቀ ሰባት፣ ኮታስ ውሽጣዊን ደጋዊን ኩነታት ዝወለዶም ማሕበረሰባዊ ቅልውላዋት ኣብ ብጣዕሚ ዘሰክፍ ጫፍ በፂሖም ኣለዉ።

ኣብ በቢ መንገዱ ዝፍፀም ዕጡቃት ዘሳተፈ ዘረፋ፣ ሓሓሊፉ ድማ ዕስለ መንእሰይ ዘሳተፈ ስርቂ፣ ገዛ  ሰይሮም ብምእታው ጉሕለት ዝፍፅሙ መናእሰይ ምብርኻት ወዘተ፣ ካብ ግዜ  ናብ ግዜ እንዳኸፍአ ይኸይድ ኣሎ። ናይ ነብሲ ወከፍ ገዛ  ሽግር ካብ ማዕልቲ ናብ ማዕልቲ እንዳገደደ ከይተገንዘብናዮ ብዙሓት ተጋሩ ይወስድ ኣሎ። ተፈናቃሊ ህዝብና ኣብ ቅዳድ ኬንዳ ተዓምፂፁ ሞት ከምዝተፈረደሉ ህዝቢ ኮፍ ኢሉ ይፅበ ኣሎ። ኣብ ኩሉ መዳይ ብስርዓት ኣልቦነት ደረጃ  ዝግለፅ ማሕበረ-ፖለቲካዊን ማሕበረ-ቁጠባዊን ሽግር ነጊሱ ንግንዘብ ኣለና።

ትግራይ ኣብ ከርሰ ምድራ  ዓቂባ  ዝሓዘቶ  ሃፍቲ፣ ኣብዚ እዋን እዙይ መፃወቲ ውሽጣዊን ደጋዊን ፀላእቲ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ፣ ፈፂሙ ንክሓዊ ብዘፀግም ኣካያይዳ፣ ብሓደገኛ  ኬሚካል ዝተዓጀበ ከባቢያዊ፣ ኢኮሎጂካል፣ ማሕበረሰባዊ ብርሰትን ምንጋዕን ክተተኣናግድ ተገዲዳ ኣላ። ምዕራብ ትግራይ እንዳጠፍአ ኮፍ ኢልና  ንርኢ ኣለና። መዐንደሪ ሎቅዛያት ፖለቲከኛታት ኮይንና፣ ኣብ ውሽጣዊ ፋይዳ ዘይብሉ ተኽንን ምጥልላፍን ተፀሚድና፣ ትግራይን ተጋሩን ናይ ህልውና ሓደጋ ኣብ ልዕሊኦም ኣንጠልጢሉ ካብ ዓይንና  እንዳርሓቁ እንዳርአና፣ መሳረሒ ደንበ ዝፈለዩ  ካድሬታት ህወሓት ኮይንካ ምቅፃል ነስተማቅሮ ዘለና መሲሉ ይርአ።

ካብ ዝቦቅል ብኸባቢ እንዳናቆተ ዕድሚኡ ዘናዊሕ፣ ብዓሌታዊያን ዝተዓብለለ ስርዓት ህወሓት፣ ኣብ ቀልቀል ጥፍኣት ዘላ  ትግራይ ከድሕን ንምልክቱ እውን ሽውሃት የብሉን። ብግልባጡ “ ትግራይን ተጋሩን መሊእኹም ምእንታይ ጥፍኡ እሞ ኣነ  ክድሕን” ይብለና ኣሎ። ንግዝያዊ ጥቅሚ እንትብል ነዚ ዓይኑ ዘፍጠጠ በለፅን ጥፍኣትን ደጊፉ ዘጉርዕ ስሚዕታዊ ዕስለ ድማ ካሊእ ሓደጋ  ትግራይ ኮይኑ ኣሎ። እዙይ ኩሉ ተደሚሩ፣ ብምኽንያት ደምበ ሒዞም ዝናኸሱ ዘለዉ ካድሬታት ህወሓት፣ ህዝቢ ተኸፋፊሉ፣ ቅልውላው ትግራይ የመና ሱር ሰዲዱ፣ ናብ ጫፍ ሕድሕዳዊ ኩይናት በፂሑ ይርከብ።

ብካሊእ ገፅ ኣብ ቅድሜና  ተገቲሩ ዘሎ ሓደጋ  ትግራይ ከይብርዕን፣ ናይ “መወዳእታ” ዝብልዎ  ጥፍኣት ትግራይ ክረጋገፅ፣ ኣብ ጥቃና  ዝርከቡ ግዳማዊ ፀላእትና ን’ናይ ባዕሎም ደምበ  ህወሓት ኣሰሊፎም፣ እቲ ኩነታት እንዳገርሑ ናብ ጥፍኣት እንትመርሑና፣ ንሕጊ ብዘይግዘኡ ካድሬታት ህወሓት ኣብ ዝምራሕ ክልተ  ደምበ  ዓሲልን፣ ኣብ ሃዋህው ሓዞ ዝደዶ ንርከብ። በቢ ማዕልቱ ሓድነት ትግራይ ደልሃመት ክውሕጦ እንዳገበርና፣ ጃህራ፣ ብድዐ፣ ትምክሕትን ትዕቢትን ብዝተፀናወቶ ዓሌታዊ ፖለቲካዊን ወታሃደራዊን ኣመራርሓ ትግራይ እንዳተገናሕና፣ “ዓዶም ዘጥፍኡ” ልሂቃን ተባሂልና  ብህዝቢ ዓለም ንክንፅራሕ ኣብ ቀልቀል ንርከብ።

ቤተሰብና፣ ደቂናን ቁጠባዊ ኩነታትናን ንጎኒ ገዲፍና  ኣንፃር ከፅንቱና ዝመፁ  ሓይሊታት ዝገበርናዮ  ውፉይ ቃልሲ፣ ዝኸፈልናዮ  መንእሰይ፣ ኮታስ ከም ትግራይ ዝኸፈልናዮ  ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ዋጋ ስኢኑ፣ ኣብ እዋን 2013 ዓ.ም ኣብ ገዝኦም ተወሽጦም ዝነበሩ ብሕጊ ዘይግዝኡ ፅግዕተኛታትን ኸደምትን ካድሬታት ህወሓት፣ ሎሚ ገበርትን ሓደግትን ኮይኖም ብግደኦም ትግራይ የፅንትዋ ኣለዉ። ብኣተሓሳስባ  ብዝመሳሰልዎም ጥቅመኛታት ወታሃደራዊ ኣመራርሓ ተዓጂቦም፣ ተጋሩ ብምስዳድን ብምጭፍጫፍን፣ ዓቅሚ ትግራይ ቀቲሎም፣ ትግራይ የፅንትዋ  ኣለዉ። ስለዚ ብዋናነት ትግራይ ዘፅንቱ ዘለዉ ሓይሊታት፣ ብቁምነገሩ ስርዓት ብልፅግና፣ ስርዓት ህወሓትን ስርዓት ህግደፍን ኮኖም ኣለዉ።

መቸም “ስርዓት ህወሓት ንተጋሩ የፅንት ኣሎ” ንዝብል ኣበሃህላ ተቋውምኩም እተግርዑ ዕስለ ኣይትጠፍኡን። ኮይኑ ግን ስኽን በሉ እሞ፤ ስርዓት ህወሓት ተጋሩ እንተኣሳዲዱ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተኹሲ እንተኸፊቱ፣ ተጋሩ እንተቀቲሉ፣ ተጋሩ ክደኽዩ፣ ክጓነዩ፣ ክጠምዩ፣ ክሳቀዩ፣ ዓዶም ገዲፎም ፋሕፋሕ ክብሉ፣ ሃፍተ ገነቶም ክዝረፉ ወዘተ እንተገይሩ፣ እንታይ  እዩ  ዝገብር ዘሎ ንብል? እንታይ ይገብር ኣሎ  ኢልኩም ትሓስቡ? ስርዓት ብልፅግና “ስግብግብ ጁንታ” እንዳበለ ተጋሩ የሳድድን የፅንትን ነይሩ። ስርዓት ህወሓት ድማ “ባንዳ” እንዳበለ  ተጋሩ የሳድድን የፅንትን  ኣሎ። እንታይ እዩ  እቲ ኣፈላላዮም? ብመሰረቱ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይቶም ኣብ 2013 ዓ.ም ኣብ ገዝኦም ተወሽጦም ዝነበሩ ብሕጊ ዘይግዝኡ፣ ፅግዕተኛታትን ኸደምትን ካድሬታት ህወሓት፣ ውልቀ  ንብረት እያ ትመስል።

እዞም ዕሉላት ካድሬታት እዚኦም ብመትከል፣ ብስትራተጂ፣ ብውፉይነትን ህዝባዊ ተኣማንነትን ዝተዓብለለ  ኣተሓሳስባ  ኣማዕቢሎም፣ ህዝቢ ማእኸል ገይሮም፣ ከይሓስቡ ተገይሮም ዝተቀረፁ  እዮም። ውልቃዊ ሂይወቶም ከጎልብቱ፣ ኣብ ዘይዓቅሞም ዝሓሸ  ስልጣን ከናድዩ ላሕ ዝብሉ፣ ዕረፍቲ ዘይብሎም በለፀኛታት እዮም። ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሮም ብሽም “መኸተ”  ሃፍቲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ስርዓት ህግደፍ ብዝኸፍአ ዝጉሓሉ ቀጠፍቲ ዕስለ  እዮም። ውልቃዊ ሃፍቶም ካብ ምኽዕባት ወፃእ ኣብ ኣውራ  ጎደናታት መቀለ ዝብላዕ ስኢነን ምስ ዕሸላት ደቀን ወዲቀን ዘለዋ ኣዴታት ቆላሕ ኢሎም ኣይርእይወንን።

እዙይ ኩሉ ክትርኢ ከለኻ፣ እምበር’ከ  ትግራይ እትሓውየሉ ዕድል’ዶ ኣሎ  ኢልካ ትጭነቅ። ካብቲ ብግዳማዊያን ዝግበር ዝተኣቀደ  ጥቅዓት፣ ናይ ካድሬታት ህወሓት ጥቅዓት ዘይነኣኣስ ኮይኑ ትረኽቦ። ብደገን ብውሽጥን ብዓፀቦ  ተቀርቀረት ትግራይ መምለጢ በሪ’ዶ የጋጥማ ኢልካ  እንትሓስብ፣ ህዝቢ ተረድኢዎ  ኣብ ሓደ  ሓሳብ እስካብ ዘይዓሰለ፣ ኣፀጋሚ ኮይኑ ትረኽቦ። ሓቀኛ መዋፅኦ ድማ፣ ህዝቢ ትግራይ ሓደ  ልቢ ኮይኑ፣ ነዞም  ሓይሊታት እዚኦም እስካብ ዝደርመሰ  ዝመፅእ መሲሉ ይስማዓካ። ኮታስ ትግራይ፣ እዙይ ኩሉ ኣፀጋሚ ኩነታት ተሸኪማ፣ ልዕሊ 40% መሬታ ንፀላእቲ ኣረኪባ፣ ልዕሊ ሚልዮን ዝቁፀር ህዝባ  ፀኒቱ፣ ብሂይወት ዘሎ  ህዝብ እውን ኣብ ከቢድ ዓፀቦ  ጥሒሉ ትቅፅል ኣላ። ፅባሕ ግን እንደዒ!

3.   ኩነታት ኢትዮጵያ

ኢትዮጵያ ፈፂሙ ኣብ ዘይተረጋገአ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ወታሃደራዊን ኩነታት ትርከብ። ዳርጋ  ኣብ መብዛሕቲአን ክልላት ኢትዮጵያ ፀጥታዊ ቅልውላው ነጊሱ ንግንዘብ። ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ድማ እቲ ቅልውላው ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ደይቡ ሰፊሕ ብረታዊ ጎንፂ እንዳተኣናገደ ይከይድ ኣሎ።

ማሕበረ-ቁጠባዊ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣዲስ ኣበባን በቢማዕልቱ ካብ ግዜ  ናብ ግዜ እንዳበዘወ ምሽታት ጀሚሩ ኣሎ። ስርዓት ብልፅግና  ድማ ኢህወዴግ ጀሚርዎም ዝነበረ  ንዘላቂ ልምዓት መንፀፍ ዝኾኑ ህንፀት መሰረተ ልምዓታት ንጎኒ ገዲፉ፣ ክሳራ እምበር እዙይ ዝባሃል ቁጠባዊ ረብሓ  ኣብ ዘይብሎም ናይ “ፅባቐ” ፕሮጀክትታት ተፀሚዱ ይርከብ። በቢዓመቱ depreciate እንዳገበሩ ዝትከኡ ናይ ቻይና  ኣምፑላት ብስም “የኮሪደር ልማት” ብዓቢይ ገንዘብ ይግዛእ ኣሎ። ኣዲስ ኣበባ  ኣብ ምፅብባቅ ዝተፀመደ  ስርዓት ብልፅግና ኣብ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ባዕሉ ካሊእ ዘይጭበጥ ዓለም ዘሎ ይመስል።

ናይ ስርዓት ብልፅግና  ፕሮጀክት ቤተመንግስቲ ‘ውን ናይ ስነ-ሓሳብ “ምፅብባቅ” ስርዓት ብልፅግና  መቀፀልታ ፕሮጀክት እዩ። ቤተ መንግስቲ ንህንፀቱን ክንክኑን ሃፍቲ ዝበልዕ እምበር፣ ሃፍቲ ዝፈጥረሉ ዓውዲ ዳርጋ  የብሉን። በዙይ መነፅር እንትምዘን ብስርዓት ብልፅግና ንፕሮጀክትታት “ምፅብባቅ” ዝውዕል ዘሎ  ሃፍቲ ዳርጋ  ኣብ እሳተ ጎመራ ኣርታዕለ ዝድርበ  ዘሎ ሃፍተ-ገነት ተገይሩ ክውሰድ ይግባእ።

ስርዓት ብልፅግና ቁጠባዊ ረብሓ  ኣብ ዘይብሎም ፕሮጀክትታት ይፀመድ እምበር፣ በቢ ማዕልቱ ብድኽነት፣ ጥምየት፣ ጎንፂን ካልኦት ሽግራትን ዝባኽን ዘሎ ኢትዮጵያዊ ቁፅሩ ልክዕ የብሉን። ግን ድማ  ኢትዮጵያዊያን ኣብ ጉዕዞ  ታሪኮም ከምዙይ ዝበለ ጨቋኒ ስርዓት ዝብህጉን ዝናፍቁን ይመስሉ። እዙይ ተዘይከውን ነይሩ ብስርዓት ብልፅግና  ዋላ ንሓደ  ዓመት ኣይምተመርሑን ነይሮም። ስርዓት ብልፅግና  ፖለቲካዊ ዓቅሚ ከም ቆንጣ  ሱረ  ዝሓፀሮ፣ ህልውንኡ ብናይ ፀጥታ ሓይልን ተጠቀምቲ ዕስለታትን ተዓጂቡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ  ብሄራት ሕድሕዳዊ ጎንፂ ተሓቢኡ፣ ዕድምኡ ከናውሕ ዝደሊ መብረሳይ ስርዓት እዩ። በዙይ ምኽንያት ኣዲስ ኣበባ ዓትዒቱ ሒዙ ክልላት ምምሕዳር ዳርጋ ዝተስኣኖ፣ ሓፀያዊ ሓድነት ከምፅእ ዘይክኣለ፣ ኣብ ቅልውላው ተሸሚሙ ዕድሚኡ ዘናውሕ ዘሎ  ስርዓት እዩ።

ናይ ኢትዮጵያ ቁጠባ፣ ብፍላይ ምስ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ተተሓሒዙ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ይርከብ። ንዝርካበን ናይ ወፃኢ ሸርፊ እውን ኣፅዋር መሸመቲ ኮይነን ኣለዋ። ስርዓት ብልፅግና ኣብ ስግኣት ስለዝነብር ሓይሊ መከላኸሊ ንምጥንኻር እንትብል ናይ ሃገር ቁጠባ ኣብ ሸመታ  ኣፅዋርን ህንፀት ሰራዊትን ክውዕል ይገብር። ኢትዮጵያ  ብልቃሕ ርእሳ ዘይርዋ ይርከብ። ንቻይና  ልዕሊ 15  ቢሎዮን ዶላር ክትከፍል ይግበኣ። ካብ ምዕራባዊያን እዉን ብቢልዮን ዶላር ዝቁፀር ገንዘብ ብልቃሕ ተዳዕኒና ትከይድ ኣላ። ንጂቡቲ በቢ ዓመቱ ልዕሊ 1.5 ቢልዮን ዶላር ትኸፍል ትግደድ። ናይ export ንግዳዊ ምንቅስቃሳ ኣዐርዩ  ከምዝሞተ ይንገረላ።  

እዙይ ከምዙይ ኢሉ እንዳሃለው ብመነፅር ጂኦፖለቲካዊ ኣሰላልፋ እንትርአ፣ ኢትዮጵያ  ሓደጋ ዘንፀላለዋ  ትመስል። ብስርዓት ብልፅግና እትምራሕ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ግብፂ፣ ኤርትራን ሶማልያን ስሉስ-ኩናርዓዊ ክባ  ዝኣተወት፣ ግን ድማ ብገሊአን ዓለምለኻዊ ርእሰ ሓያላንን ነጠፍትን ሃገራት ዝድገፍ ስርዓት ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብ ዓርሰ እምነት ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ዓቅሚ ዘይሃነፀ ስርዓት ስለዝኾነ  ድማ፣ ናይ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካ ናይ’ዘን ልዕለ ሓያላን ሃገራት መሳርሕን ተለኣኣኽን ኮይኑ ምቅፃሉ ዘይተርፍ ጉዳይ እዩ። ተፈተወ፣ ተፀልአ ሓፀያዊት ኢትዮጵያ ዓባይ ዓዲ ስለዝኾነት፣ ብገዛእታ  ልዕለ  ሓያላን ሃገራት እንዳተገንሐት፣ ቀርኒ ኣፍሪካ  ናይ ምዝራግ ዓቅማ ዕዙዝ ምዃኑ ንርዳእ።

ሱሉስ-ኩርናዓዊ ኣሰላልፋ ግብፂ፣ ኤሪትራን ሶማልያን፣ ምስ ኢትዮጵያ  ብዘለወን ዘይቃዶ መስተጋብር ምኽንያት እቲ ናይ ቀንዲ ኣፍሪካ  ቅልውላው ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ዝወስድ ኣካያይዳ  ምዃኑ ንምርድኡ ኣየፀግምን። ኣብ ድሕሪ እዘን ሱሉስ-ኩርናዓዊ ኣሰላልፋ  ዘለወን ሃገራት ዝተሰለፉ ዓለምለኻዊ ልዕለ-ሓያላን ሃገራት ምህላወን፣ እቲ ኩነታት ምናልባሽ እውን ዓለምለኻዊ ቅርፂ ዘለዎ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ቅልውላው ናብ ዝገደደ ቀውሲ ክወስዶ  ይኽእል ኢልካ ትግምት።

ብኣጠቃላሊ ኩነታት ኢትዮጵያ ቅጥዒ ኣብ ዘይብሉ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ፀጥታዊን ስግኣት ዝነገሶን ኣብ ልዕሊኡ ዓቢይ ሓደጋ ዘንጠልጠሎን ኮይኑ ንረኽቦ። ከም ሓፀያዊት ሃገር ብውሽጣዊን ከባቢያዊን ጎንፂ ዝተፀመደት ስለዝኾነት ኣብ ልዕሊ ህዝባ ሰፍ ዘይብል ማሕበራዊን ፀጥታዊን ምንጋዓት ክተተኣናግድ ዘገድድ ኩነታት ኣብ ቅድሚኣ ተጋሪዱ ይርአ። እዙይ ኩሉ ፖለቲካዊን ማሕበረ-ቁጠባዊን ቅልውላው ብዝኸፍአ ደረጃ እንዳተኣናገደት ትመፅእ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ቅድመኣ እንታይ ከጋጥም ይኽእል ኢልካ እንትሓስብ እቲ ብርሰት ንምግማቱ ከሸግር ይኽእል ይኸውን።

4.   ጆኦፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ቀርኒ ኣፍሪካን

ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕርን ዳርጋ ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካ፣ ኢራን፣ እስራኤል፣ ቻይና፣ ራሽያ፣ ከምኡ እውን ቱርኪ ብዋናነት ተዋሳእቲ እየን። ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ እስራኤል፣ ሕቡራት መንግስታት ኤምሬትስ ን’ናይ ባዕለን ሃገራዊ ኣጀንዳ  የብለንን ዋላ ኣይብሃል፤ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕርን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዳርጋ ሓደ  ደምበ እየን። ራሽያ፣ ቻይና፣ ኢራንን ተርኪን እውን ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ  ባሕርን  ሃገራዊ ይኹን ሓበራዊ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን ወታሃደራዊን ባህጊ ኣለወን።

ኢትዮጵያ፣ ኤሪትራ፣ ግብፂ፣ ሱዳንን  ሶማልያን ድማ ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪካ ቀንዲ ተዋሳእቲ ገይርካ  ምውሳድ ይከኣል። ኣብዚ ሕዚ እዋን ግብፂ፣ ኤሪትራ፣ ሶማልያን ብጀ/ል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ናይ ሱዳን ሓይልን ኣንፃር ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ሓደ ዝተሰለፋ  ዓዲታት ይመስላ። ብፍላይ ግብፂን ኤሪትራን ብምኽንያት ግድብ ህዳሰ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተዋደደ  ሽርሒ ካብ ዘሰጉማ ነዊሕ ግዜ  ገይረን እየን።  ኮይኑ ግን ናይ መብዛሕቲአን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ መርገፅን ኣሰላልፋን በቢ እዋኑ ምስ ኩነታት ዝለዋወጥ እዩ።

ኢራንን የመንን ኣንፃር ኣሜሪካን እስራኤልን ብምዃን ኣብ ሓደ  ሰልፊ ዝተፀንበራ እየን። ሕቡራት መንግስታት ኤምሬትን ኢትዮጵያን ድማ ናይ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን እስራኤልን ተለኣኣኽቲ ንምዃን ኣሜን ኢለን ዝተቀበላ  ከይኮና ኣይተርፋን። ራሽያ፣ ተርኪን ቻይናን ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪካን ብዝምልከት ብዋናነት ሃገራዊ ባህገን ዝገዝአን ኮይነን፣ ብኣሰላልፋ ኣንፃር ምዕራባዊያን ምዃነን ዘተሓትት ኣይመስለንን።

እዚ ሓፈሻዊ ኣሰላልፋ እዙይ ከምዘለዎ  ኮይኑ፣ ግብፂ፣ ኤርትራን ሶማልያን ኣንፃር ኢትዮጵያ ጠጠው ምባለን ንትግራይ እንታይ የመላኽት? ኢልካ  ምርኣይ የድሊ።  ኣብዚ ጉዳይ እዙይ ካብ ፖለቲካ ቀይሕ ባሕርን ሩባ  ናይልን ብተወሳኺ፣ ጉዳይ ወደብ በርበራን ሶማሊ ላንድን ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ  ኣጀንዳ  ኮይኑ ኣሎ።  ኢትዮጵያ “መውፅኢ ወደብ ባሕሪ የድልየኒ” ትብል። ናይ ባሕሪ በሪ ክትደሊ ናላኣ ዘይርዋ። ግብፂ “ሩባ  ናይል ኣይትንኹኡለይ” ትብል። ኤሪትራ ድማ “ ኢትዮጵያ ባህ ከምዝበለኒ ክብዝብዛ ፍቀዱለይ፣ ህንፀት ኤሪትራዊ ሃገራዊነት ከይተዐንቅፉለይ፣ ወደባተይ ናይ በይነይ እየን ወዘተ” ትብል።  ነዙይ ኩሉ ዘይቅበል ኩሉ ናይ ጎረባብታ ሓይሊ ድማ ተዳኽሞ  ትደሊ። ሶማልያ ኽዓ ጉዳይ ሃገራዊ ልዑላዊነት ምስ ኢትዮጵያ ኣጋጭይዋ ይርከብ።

ብካሊእ ገፅ ሶማልያ ሓይሊ ኣል-ሸባብ ንምድኻም ናይ ኢትዮጵያ ዘየቋርፅ ድጋፍ ትደሊ። ግን ድማ  ልዑላዊነታ ኣሕሊፋ  ብምሃብ ኣይኮነን። ኤርትራ ‘ውን ንህንፀት ኤሪትራዊ ሃገራዊነት ቀንዲ ዕንቅፋት እያ ኢላ እትሓስባ  ትግራይ ንምድኻም ምስ ኢትዮጵያ ትሞዳሞድ። ግን ድማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተደረኸ ኣለኒ እትብሎ ልዑላዊነት ኣሕሊፋ ክትህብ ኣይትደልን። ግብፂን ኢትዮጵያን ግን ብምኽንያት ሩባ ናይል ኣብ ታሪክ ቀዋሚ ተነሓነሕቲ ኮይነን ይቅፅላ።

ኢትዮጵያ “ናይል ተፋሰስ” ወዘተ እንዳበለት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣንፃር ግብፂ ክስለፋ  ትደሊ። ብተመሳሳሊ ግብፂ እውን፣ “ኢትዮጵያ ናይል ክትነኽኣለይ የብላን” ብዝብል ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ማእኸላይ ምብራቅን ከምኡ ‘ውን ዓለም ብጠቅላላ ኣንፃር ኢትዮጵያ  ክስለፋላ  ትደሊ። ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስርዓት ብልፅግና ነዚ ኩነታት ዘማቻቹ ኮይኑ ረኺባቶ ኣላ። ናይ ኢትዮጵያን ናይ ግብፂን ንሕንሕ ኣብ ታሪክ እውን ዘይዛሪ ንሕንሕ እዩ። ኣብዚ ዘመን እዙይ ኤሪትራ ህንፀት ሃገራዊነት ንምዕዋት እንትብል፣ ምእንታን ትግራይን ኢትዮጵያን ክዳኸማላ ኣብ ደምበ  ግብፂ ዳራጋ  ቀዋሚት ተሰላፊት ‘ያ። ጠንካራ ትግራይ እንተልያ ትግራዋይ ብሄርተኝነት ክኩላዕ እዩ። እዙይ ድማ ኤሪትራዊያን ተጋሩ ናብ መበቆሎም ክፅንበሩ ስለዝገብር ንህንፀት ኤርትራዊ ሃገራዊነት ሃደጋ  እዩ  ኢላ  ትሓስብ – ኤሪትራ። ጠንካራ  ኢትዮጵያ ድማ ብዘለዋ ናይ ባሕሪ ድሌት ኤሪትራ ትግብት ትደሊ። ስለዚ ኤሪትራ  ጎንፂ ኢትዮጵያን ግብፂን ብውሕሉል መንገዲ ተበሊፃ ኢትዮጵያ ተዳኽም። በዙይ ኣቢላ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ምፍርራስ “Game over” ኢልካ  ብዘጨርሕ ደረጃ፣ እቲ ዝዓበየ  ግደ ተፃዊታ  ዓወት ኣመዝጊባ እያ።

ካብዙይ ኩሉ እንታይ ንርዳእ እንተይልና፣ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ  እዚአን ዘሎ  ጉዳይ ንድርድር፣ ጎንፂ፣ ውህደት ወይም ምትሕብባር ዝውስን ኣልጎርዝም ካብዚ መስተጋብረንን ባህገንን እዩ  ዝብገስ። ብመሰረቱ ብምትሕብባባር ተዋሃሂደን፣ ሃፍተ ገነተን ኣተሓባቢረን ምዕባለ ናይ ምርግጋፅ ዕድለን ሰፊሕ እንዳሃለወ፣ ኣብ ዘይቋርፅ ህልክ ዝተመለኦ ተፃባኣይነት ተጸሚደን ንዘመናት ይቅፅላ። ከም ኣብነት ጉዳይ ኤሪትራን ትግራይን ወይም ድማ ጉዳይ ኤሪትራን ኢትዮጵያን ምውሳድ ይከኣል። ኤሪትራ ወደባታ ንኢትዮጵያ ክፍቲ ተትገብር ካብ ጅቡቲ ንላዕሊ ተጠቃሚት ምኾነት። በቢ ዓመቱ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጅቡቲ ዝፈስስ ዘሎ 1.5 ቢልዮን ዶላር ናብ ኤሪትራ ምፈሰሰ ነይሩ። እዚ ኣታዊ እዙይ ኣብ ምዕባለ  ኤሪትራ  ዓቢይ ግደ ምተጻወተ ነይሩ። ብተወሳኺ ካብ ንዘይትጥቀመሉ ሩባ ናይል እንትብሃል ምስ ግብፂ ተፃሚዳ ኣንፃር ኢትዮጵያ ጠጠው ትብል፣ ምስ ኢትዮጵያ ተሓባቢራ ብዘለዋ ናይ ድርድር ዓቅሚ ተጠቅማ፣ ካብ ህዳሰ ግድብ ዝምንጩ ሓይሊ ኤሌትሪክ ብምጥቃም ኣብ ኤሪትራ  ኢንዱስትሪ ክስፍሕፋሕ ምገበረት ነይራ።  

ኮይኑ ግን ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪካ ዋና ኣጀንድኡ power politics ስለዝኾነን ዘየቋርፅ ናይ ግዳማዊያን ኢድ ኣእታዊነት ስለዘለዎን፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላም ክነግስ ምግባር ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኤሪትራ፣ ሶማልያን ጂቡትን ኣብ መንጎአን ሰላም ፈጢረን፣ ውሽጣዊ ሰላምን ዴሞክራሲን ኣንጊሰን፣ ሰፊሕ ቁጠባዊ መስተጋቢር ኣንፂፈን ክኸዳ ተዝኽእላ፣ ምዕባለ ህዝቢታት ቀርኒ ኣፍሪካ ምርግጋፅ ኣይምኸበደን ነይሩ። ይኹን እምበር ካብ ታሪክ እውን ከምእንግንዘቦ፣ እዚ ከባቢ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ፖለቲካ፣ ናይ ናይል ፖለቲካ፣ ውሽጣዊ ናይ ስልጣን ፍሕፍሕ፣ ናይ ሃይማኖት ሕማሶ  ዝነገሶ ከባቢ ስለዝኾነ ሰላምን ዴሞክራሲን ምስፋን ሕልሚ ኮይኑ ይርኣየካ።

ብዝኾነ እዙይ ኩሉ ናይዘን ሃገራት ቁርቁስ ንትግራይ ዘለዎ ምልከታ እንታይ እዩ ኢልና ቀፂልና ንርአ። ግብፂን ኤሪትራን ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ናይ ብሄራት ጎንፂ ተበሊፀን ስርዓት ኢህወዴግ ብምፍርራስ ኢትዮጵያ ምስ ኣዳኸማ፣ ካሊእ ኣጀንዳ  ድማ  ቀረፃ። ምስ ኢትዮጵያ  ብስትራተጂ ደረጃ ፈፂማ ዘይቲቀዳዶ ግብፂ ብኤሪትራ  ኣቢላ ምስ ስርዓት ብልፂግና ምሕዝነት ብምፍጣር ትግራይ ተዳኽም ነይርዋ። ምኽንያቱ ትግራይ ምድኻም ኢትዮጵያ  ናይ ምፍርራስ ኣጀንዳ ስለዝኾነ። ከምኡ እውን ናይ ተጋሩን ኣምሓሩን ሕብረት ድማ ንግብፂ ይኹን ንኤሪትራን ኦሮሞን ሓደጋ ስለዝኾነ። ንዕጥራን ጋእ ዘይትብል ኣስመራ ምስ ኣዲስ ኣበባ ምሕዝነት ፈጢራ ንትግራይ ጨፍጨፈት። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሰፍ ዘይብል ፅንተታዊ ጥቅዓት እንትፍፀም፣ ኤሪትራ  ብስርዓት ህግደፍ እንዳተመርሐት ቀንዲ ተዋሳኢት ኮነት።

ስርዓት ብልፅግና  ብኦሮሞ ዝተዓብለለ ስለዝኾነ ሴሜቲክ ኢሎም ዝፅውዕዎ ህዝቢ ትግራይ፣ ኣምሓራን ኤሪትራን ኣብ ዘይበሊ ተፃባኣይነት ዝነገሶ ኩነታት ክነብሩ ምእንታን፣ ናይ ግብፂ ኣጀንዳ  ተሓንጊጦም ኤሪትራን ኣምሓራን ከምኡ እውን ገለ  ሃገራት ኣዕራብ ኣሰሊፎም፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሰፍ ዘይብል ካሕዲ ፈፀሙ። ኣብ ፅንተታዊ ኩይናት ትግራይ፣ ዋና ዘዋሪ ስርዓት ብልፅግና  ብምዃኑ፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘይዛሪ ፅንተት እንዳሰጎሙ ይርከቡ። ብምኽንያት ሽርሒ ፖለቲከኛታት ኦሮሞን ናይ ህወሓት ግጉይ ፖለቲካዊ ኣመራርሓን፣ ትግራይ ሓጋዚ ዘይብላ  ትተርፍ ተገዲዳ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዓቅሚ ክህልዋ  ዘይደልያ ሃገራት ዓረብ፣ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ኣጀንደአን ዉን ተወሲኽዎ፣ ንድኹም ስርዓት ብልፅግና እንዳበራተዓ ትግራይ ኣብ መንቀርቀር ክትነብር ገይረንኣ ይርከባ። እዚኦምን ወዲ እዚኦምን ሽርሕታት ዘይርዳእ ልሂቅ ኣምሓራ ብሕሱም ስምዒታዊ ፅልኣት ኅልንኡ ተደፊኑ፣ ከይተረደኦ ናይ ኦሮሞን ህግደፍን ስውር ስትራተጂ ከዐውት፣ ትግራይ ክትጭፍጨፍ ዋና መዋፈሪ ኮይኑ መፂኡ፤ ሕዚ ውን  ይቅፅል ኣሎ።

ስርዓት ብልፅግና  ኦሮሞ ኣብዚ ዘመን ዒዋላነት ካብ ዘማዕበሉ ስርዓታት ሓደ እዩ። ካብ ዕጥራን ኣስመራ  እውን ዝተምሃሮ  ነገር ይህሉ። ናይ ሃገረ  ኢትዮጵያ  ሙሉእ ቁጠባዊ ዓቅሚ ናብ ውሑዳት ደቂ ኦሮሞ  ክውሕዝ ብምግባር፣ ነዚ ቁጠባዊ ዓቅሚ እዙይ ተጠቂሙ  ትግራይ ኣብዝምልከት ኣጀንዳ ጠላዕ እንዳተፃወተ ይውዕል። ኣብ ትግራይ ህወሓት ብዝፈጠረሉ ምችው ኩነታት ተጠቂሙ፣ ነኒባዕለን ዝናቆታ ደምበታት ፈጢሩ ኣሎ። ጉዳይ ትግራይ ብዉዕሊ ፕሪቶርያ  መሰረት ንዘይምፍታሕ እውን መልክዖም ዝበዝሑ ውዲታት እንዳተጠቀመ ብውዓል ሕደር ይዘናጋዕ ኣሎ። ኣብዚ ሕዚ  እዋን፣ ስርዓት ብልፅግና ጉዳይ ትግራይ ከይፍታሕ፣ ዝተሓላለኹ ሽርሕታት ካብ ምንፃፍ ሓሊፉ ኣብ ምፍርራሕ ይርከብ። ብጉዳይ በሪ ባሕሪ ‘ውን ምስ ኤሪትራ ናብ ጎንፂ ንምእታው ኣብ ቀልቀል ይርከብ።

እዙይ ከምዙይ ኢሉ እንዳሃለወ፣ ኣስመራ ኣጣሪት ናይ ባዕላ  ኣጀንዳ ተንፅፍ ኣላ። ኣስመራ  ኣብ ልዕሊኣ  ኣንጠልጢሉ ዘሎ ስርዓት ብልፅግና  ዝወዘፎ ሓደጋ  ንምምካን መወፃፀኢ ሽርሒ ኣብ ምንዳይ ትርከብ። እቲ ሓደ  ሽርሒ ናይ ስሉስ-ኩርናዓዊ ኣሰላልፋን ግዳማዊ ዓቅምን ተጠቂምካ ስርዓት ብልፅግና  ምፍራስ እዩ። እቲ ካልኣይ ሓደገኛ  ሽርሒ ናይ ስርዓት ብልፅግና  ጉልበት፣ ኣብ መሬት ትግራይ ክመክን ንምግባር ምስ ጉጅለ  ህወሓት ምድርዳር እዩ። ብወገን ህግደፋዊያን፣ ስርዓት ብልፅግና  ንምድኻም ናይ ትግራይ ሰብኣዊ፣ ንዋታዊን ከርሰምድራዊን ሃፍቲ ወሳኒ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

ብቁምነገሩ፣ ህግደፋዊያን ትማሊ ምስ ብልፅግና ኮይኖም ንሕስያ ዘይብሉ ፅንተታዊ ኩይናት ዝፈፀሙላ  ትግራይ፣ ሎሚ “ንስኺ እንደገና  ፀኒትኪ ስርዓት ብልፅግና  ኣዳኽምልና  እሞ ንሕና ንድሕን፣ ኤሪትራዊ ሃገራዊነት ‘ውን ኣብ ፅኑዕ መሰረት ክነንብር” ይብልዋ  ኣለዉ። ጉጅለ ህወሓት ‘ውን እዚ ዕጥራን እዙይ ዝተመቸዎ ይመስል። ጉጅለ  ህወሓት፣ ንጠለባት ኣስመራ ተሓባባሪ ብምዃን ብሓደ ገፅ ህዝቢ ትግራይ መስዋእቲ ገይሩ ንባዕሉ ከድሕን እዩ።  ብካሊእ ገፅ እንተቀኒዕዎ፣ ከም ዓመሉ ናይ ህግደፍ ተለኣኣኻይ ኮይኑ ኢትዮጵያ ዘማሓድረሉ ዕድል ክረክብ እየ ኢሉ ክሓስብ ይኸውን። ኮይኑ ግን እዙይ ኩሉ ሕልሚ እዩ። ናይ 1983 ዓ.ም ዕድል ተመሊሱ ክመፅእ እዩ  ኢሉ ዝሓልም ኣካል እንተልዩ  ካብ ዝከሰረ ፖለቲካ ምውፃእ ዝኣበዮ ግብዝ ሓይሊ ጥራሕ እዩ ክኸውን። ምኽንያቱ እዚ ኩይናት እዙይ ሃለዋት ትግራይ ይኹን ባዕሉ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ሓደገኛ  ዓንከል ዘእቱ እዩ።

ህግደፍ ንትግራይ ምድኻም ፈፂሙ ኣየቋርፅን። ትማሊ ብልፅግና  ሒዙ ዘፅነታ  ትግራይ፣ ሎሚ ድማ ህወሓት ሒዙ ከጥፍኣ ደልዩ ኣሎ። እዙይ ማለት ብግልፂ ክንገር ከሎ፣ ኣብ ጥፍኣት ትግራይ ኤሪትራዊ ሃገራዊነት ይነግስ። ትግራይ እንተዘይጠፊኣ እንኳ ብህወሓት ኣቢሉ contain ክገብራ እዩ።  ስለዚ ኣብ ሕምብርቲ ናይ ኣስመራ ዕጥራን፣ ትግራዋይ ዝስኮነሉ containment strategy ከምዘሎ ንግንዘብ።

ርክብ ህወሓትን ህግደፍን ግርምቢጣዊነት ዝሰፈኖ እዩ። ንኣብነት ንምግላፅ ዝኣክል፣ ህወሓት ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካን ድሌትን ኣምፂፁ፣ ናይ ኤሪትራ  ሃገራዊ ነፃነት ከዐውት ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ። በዙይ ምኽንያት ኣብ ጉዳይ ምግንፃል ኤሪትራ ኢትዮጵያዊያን ንተጋሩ ተጠየቅቲ ይገብሩና። ተጋሩ ካብ ዝፀልኡሉ እውን ሓደ ምኽንያት ኮይኑ ኣብ ታሪክ ተመዝጊቡ ኣሎ። ብግልባጡ ህግደፍ ብ1990 ዓ.ም ብቅሉዕ ንትግራይ ወሪሩ። ትግራይ ንምድሓን መላእ ኢትዮጵያዊያንን  ሃፍተ-ገነቶምን ዘሳተፈ ኩይናት ኣብ ደምበር ትግራይን ኤሪትራን ተኻይዱ። ምስ ህወሓት ፖለቲካዊ ተቃድዎ ዘይነበሮ ልሂቅ ኣምሓራ፣ ብምኽናያት እዚ ጎንፂ እዙይ፣ ምስ ኤሪትራ  ምሕዝነት ምፍጣር ጀሚሩ። ብመሰረቱ ልሂቃን ኣምሓሩ ብዋናነት ንተጋሩ ዝፀልእሉ ጉዳይ ግን “ኤርትራ ነፃነታ  ክትረክብ ገይርኩም” ዝብል እዩ። እዙይ እውን ናይ ባዕሉ ዝኾነ ግርምብጣዊነት ኣለዎ። ኮይኑ ግን ህግደፍ፣ ኣምሓሩ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘሕደርዎ ፅላኣት ተበሊፁ፣ ምስ ግብፂ ኮይኑ ውሕሉል ፖለቲካዊ ስራሕ ሰሪሑ፣ ኢትዮጵያ ኣንፃር ትግራይ ጠጠው ክትብል ገይርዋ። ኣብ መወዳእታ  ድማ ኢህወዴግ ብምፍርራስ፣ ህዝቢ ትግራይ ክጭፍጨፍ፣ መሬት ትግራይ ክውረር ገይሩ። ኣብዚ ከይዲ እዙይ ግጉይ ፖለቲካ ህወሓት ናይ ገዛኢ ርእሱ ዝኾነ ዓቢይ ግደ ተፃዊቱ። ከይዱ፣ ከይዱ እዚ ኩነታት ትግራይ ኣብ ክፉእ ግዜ  ትወድቅ ገይርዋ።

እቲ ግርምቢጣዊነት ሕዚ እዉን ዓይኑ ኣፍጢጡ መፂኡ ኣሎ። ዋላ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ፅንተታዊ ኩይናት ትግራይ ቀንዲ ተዋሳኢ ይንበር፣ ጉጅለ  ህወሓት መሊሱ ናውቲ ኩይናት ህግደፋዊያን ክኸውን ንባዕሉ ዘዳሉ ዘሎ  ይመስል። እዙይ ንትግራይ ሓደጋነቱ ፀሓይ ዝወቅዖ እዩ። ውሽጡ እንትቅላዕ ትግራይ ናይ ምጥፋእ ውዲት እዩ። ግብፂ፣ ህግደፍ ከምኡ እውን ሓይሊ ኣልቡርሃን ብኢራንን ብራሽያን እንዳተሓገዙ ኣንፃር ኢትዮጵያ ዝገብርዎ  ኩይናት፣ ንትግራይ ዓውዲ ኩይናት ዝገብር እዩ። ስርዓት ብልፅግና እውን ብድሕሪኡ ኣሜሪካ፣ እስራኤል፣ ሕቡራት መንግስታት ኤምሬትን ምናልባሽ እዉን ሕብረት ኣውሮፓ  ሕዙ ናብ ትግራይ ክዘምት እዩ። ከምቲ ዩክሬን ምዕራባዊያንን ራሽያን ዝዋግኡላ ዓውዲ ኩይናት ኮይና  ዘላ፣ ትግራይ ‘ውን ምዕራባዊያንን ደንበ  ኢራንን ዝዋግኡላ ዓውዲ ኩይናት ትኸውን ኣላ  ማለት እዩ።

እስካብ ሕዚ ካብ እንርድኦ ግብፂን ኣሜሪካን ደምበ ፈልየን ኣይዋግኣን ዝብል ኣተሓሳስባ  ክህሉ ይኽእል። እቲ ገዛኢ ጉዳይ ሃገራዊ ረብሐአን እዩ። ብምኽንያት ሃገራዊ ባህገን፣ ኣሜሪካን ግብፅን ርክበን ከየባላሸዋ፣ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ደጊፋ፣ ግብፂ ድማ  ንኤሪትራ ደጊፋ ናይ ውክልና ኩይናት ክገብራ ይኽእላ  እየን። ምናላባሽ ግድብ ህዳሰ ንኣሜሪካዊያን፣ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ዘንብርሉ ዕድል ክከውን ይኽእል እዩ። ግድብ ህዳሰ ክፈርስ ዘይኮነስ መደራደሪ ኮይኑ ክቅፅል ይደልይዎ ይኾኑ። ንኣብነት ትራምፕ ኢትዮጵያ ከምድሌቱ ንምግባር ከም መፋራረሒ ክጥቀመሉ ከሎ ንግንዘብ ኣለና። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከቢድ ዕዳ  ዝወደቀት ኢትዮጵያ ንኣሜሪካዊያን ኢንቨስተራት ዓባይ ዕድል እያ። በዙይ ምኽንያት ስርዓት ብልፅግና ክፈርስ ከምዘይደልዩ እግምት።

ብዝኾነ ተጋሩ ኣብዚ ህሞት እዙይ ኮይንና ሕቶ ክነልዕል ይግባእ። ትግራይ ዓውዲ ኩይናት ካብ ምዃን እተምልጠሉ ዕድል ኣለዋ’ዶ? ዝብል ሕቶ  ብኣወንታዊ ምምላስ ብጣዕሚ ወሳኒ ጉዳይ እዩ። ካብ ጎጣዊ ህልክ ዝወፁ ግዱሳት ተጋሩ ዘተኣኻኽብ ጉዳይ ድማ ክኸውን ይግባእ። ካብ ጎጣዊን ፀቢብ ዓንኬልን ውፅእ ኢልካ ነዞም ሓደጋታት ምግንዛብ የድሊ።

5.   ትግራይ – ዓውዲ ኩይናት ካብ ምዃን ከመይ ገይራ ተምልጥ?

እዚ ሕቶ እዙይ ብጣዕሚ ኣፀጋሚ ሕቶ  እዩ። ምኽንያቱ ትግራይ ኣብ ፍፁም መንቀርቀር ኣትያ  ዘላ  ዓዲ እያ። ኣብ ውሽጣ  እውን ዋልታ ብዝረገፁ ኣተሓሳስባታት ተኸፋፊላ ብጉጅለ  ህወሓት ካብ ዓቀን ንላዕሊ ትሕመስ ኣላ። ስለዝኾነ  ድማ ንኣይ ከም ሰብ፣ ነዚ ንፁር መልሲ ክህበሉ ብጣዕሚ የፀግመለይ። ኮታስ ኩላትና ተጋሩ ነዚ ሕቶ እዙይ ንፁር መልሲ ክነናድየሉ ይግባእ ኢለ ይኣምን። ብገዛኢ-ርእሰይ ምናልባሽ መልሲ ንምንዳይ ክጠቅሙ ይኽእሉ እዮም ዝብሎም ሓሳባት ቀፂለ ከቀምጥ። ኣንፃር ትግራይ ዝኾኑ ሓይሊታት ካብ ምትንታን ድማ ክጅምር። ዓይኖም ኣፍጢጦም ዝወፁ፣ ኣንፃር ትግራይ እዮም ኢለ  ዝኣምነሎም ሓይሊታት ወይም ስርዓታት ሰለስተ  እዮም። እቲ ሓደ ውሽጣዊ ተፃብኦ እንትኸውን፣ እቶም ካልዖት ግዳማዊያን ገይርካ ምውሳድ ይከኣል።

  1. ስርዓት ህወሓት ውሽጣዊ ተፃብኦ እዩ።
  2. ስርዓት ብልጽግና ሓውሲ-ግዳማዊ ተፃብኦ እዩ።
  3. ስርዓት ህግደፍ ግዳማዊ ተፃብኦ ገይርካ ይውሰድ።

ናይዞም ስርዓታት እዚኦም ንትግራይ ዘለዎም ተፃባኣይነት ተነፂሩ ዝሓደረ እዩ። እቲ ቀዳማይ ስርዓት ህወሓት፣ ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊ ስግግራዊ ለውጢ ከይመፅእ ህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ብረትን ብሕጊ ዘይግዛእ ካድሬኣዊ ኣወዳድባን ዓምፂፁ ዓቅሚ ትግራይ እንዳቀተለ ተጋሩ ዘሳድድ ዘሎ መፅነታይ ሓይሊ እዩ። ኣብ ትግራይ ጉጅላዊ ዓብላላይነቱ ከቀፅል ስለዝደሊ  ምስ ህግደፍ ተሰሊፉ ህዝቢ ትግራይ ክጭፍጭፍን ከጨፍጭፍን ኣብ ቀልቀል ዘሎ ሓይሊ ‘ዩ።   

እቲ ካልኣይ ስርዓት ብልፅግና  እንትኸውን፣ ትግራይን ትግራዋይነትን ከምኡ እውን ባህሉ፣ ታሪኩ፣ ሃይማኖቱ ይኹን ኩለመዳያዊ እሴቱ ኣጥፊኡ ሙሉእ ትግራይ ትኹን ኢትዮጵያ ብኦሮሞነት ከጥምቅ ናይ assimilation ሕቡእ ኣጀንዳ ዘሰጉም ሓደገኛ ፀላኢ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተፈላለየ ውድት እንዳተጠቀመ ተጋሩ እንዳፅነተ ይርክብ። ኣጠቃላሊ ናይ ተጋሩ ኣተሓሳስባ፣ ባህልን ታሪክን ኣጥፊኡ ካሊእ ግዙእ ማሕበረሰብ ክሃንፅ ይደሊ። እዚ ሓይሊ እዙይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ትግራይ ቁም እስረኛ ገይርዋ ይርከብ።

እቲ ሳልሳይ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብ ስትራተጂያዊ ኣተሓሳስብኡ “ኤርትራዊ ሃገራዊነት ኣብ መቃብር ትግራዋይነት ይዕምብብ” ኢሉ ዝደምደመ ፍፁም ፀረ ትግራይ ዝኾነ  ሓይሊ እዩ። ትግራይ ዓቅሚ ኣብ ዝረኸበትሉ ፈፂሙ ምስ ትግራይ ምሕዝና  ክፈጥር ዘይደሊ፤ ከም ድሌቱ ዘሽከርክራ ደካማ ትግራይ ሒዙ ግን ኢትዮጵያ ከተራምስ ዝደሊ ሓይሊ እዩ።

ትግራይ ኣብ ኢድ እዞም ሓደገኛ ሓይሊታት እዚኦም ወዲቃ  ኣላ። ካብቲ ዝተቀርቀረትሉ ዓንከል መዋፅኦ ንክተናዲ ዘፀግመሉ ምኽንያት ውን እዙይ እዩ። ስርዓት ህወሓትን ስርዓት ህግደፍን ንህዝቢ ትግራይን ኤሪትራን ዝሓስቡ ቅኑዓት ተዝኾኑ ነይሮም፣ ከምኡ ‘ውን ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኣወንታዊ ታሪክ ተዝህልዎ  ነይሩ፣ ንስርዓት ብልፅግና ምክልኻል ቀሊል ነይሩ። ብተመሳሳሊ ስርዓት ብልፅግና ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅኑዕ ፖሊሲ ተዝህልዎ  ነይሩ፣ ንስርዓት ህግደፍ ምክልኻል ኣይምኸበደን ነይሩ። ስርዓት ህወሓት ንቅኑዕ ዴሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስግግር ተዝነጥፍ ነይሩ ድማ ዓርሰ-ህልውናኣ ዘውሓሰት ጠንካራ ትግራይ ንምፍጣር ክሳብ ክንዱዙይ ዘፀግም ኩነታት ኣይምተፈጠረን። ስለዚ ትግራይ እንታይ ትግበር?

ትግራይ ንሰለስቲኦም ሓይልታት ክተዳኽም ኣይትኽእልን። ግን ድማ ኣብ መፃኢ ዝዳኸምሉ ን’ናይ ባዕሎም ግዜ ይህልዎም። እዙይ ንምግባር ኣብ ቅድምኣ ፈተንቲ ኩነታት ይገጥማ። ምስ ስርዓት ብልፅግና  ይኹን ህግደፍ ተለጢፋ ‘ውን፣ ዋላ ታክቲካል ምልጣፍ ይኹን፣ ትግራይ ዓውዲ ኩይናት ዝገብር፣ ተጋሩ ምስ ተጋሩ ብናይ ውክልና  ኩይናት ዘዋግእ፣ ንትግራይ ዘጥፍእ ሓደገኛ  መንገዲ ይኸውን እምበር ካሊእ ከስቢ የብሉን። ስለዚ ትግራይ ዘለዋ መማረፂ ብዉሕሉል ፖለቲካዊ ሰላማዊ ቃልሲ ትግራይ ዘሳትፍ ኩይናት ከይግበር ምግባር እዩ። እዙይ ንምዕዋት ካብ ውሽጣዊ ጥንካረ ይብገስ። ውሽጣዊ ጥንካረ  ክመፅእ እንተኾይኑ ድማ ብሰላማዊ፣ ፖለቲካዊን ህዝባዊን ቃልሲ ጉጅለ  ህወሓት ክዳኸም ይግባእ። እዙይ ንምግባር ዘኽእል ዓቅሚ እንትህሉ፣ ነቲ ኩነታት ዝምጥን ውዳበ ግን ገና ኣይተፈጠረን። ስለዚ ኩሉ ትግራዋይ ኣንፃር ጉጅለ  ህወሓት ዝኾነ  ዘረዳድእ ሓደ  ውዳበ ምፍጣር እንተዘተኩር፣ ትግራይ ካብ ጥፍኣት እተምልጠሉ ዕድል ምፍጣር ምተኽኣለ። ኣተሓሳስባ ህወሓት ምሽናፍን ዘይምሽናፍን እቲ ምርጫ ኣብ ኢድ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ኣተሓሳስባ ብልፅግናን ህግደፍን ንምሽናፍ ግን ኣብ ኢድ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ጉዳይ ኣይኮነን።

6.   ብኣጠቃላሊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪካ ናበይ ከምርሕ ይኽእል?

ግብፂ ብቀዋምነት ኣንፃር ኢትዮጵያ ዝቆመት ሃገር ስለዝኾነት፣ ኣብ ሕምብርቲ ቀርኒ ኣፍሪካ እትርከብ ኢትዮጵያ ምድኻም ዘይልወጥ ስትራየጂያዊ ኣንፈታ እዩ። በዙይ ምኽንያት ካብ ውሽጥን ደገን ዝነቅል ኣንፃር ኢትዮጵያ  ዝኾነ  ሓይሊ ምጥንኻር’ውን ቀዋሚ ስርሓ  እዩ። ስለዝኾነ  ድማ ኢትዮጵያ ካብ ውሽጣን ጎራብታን ዝለዓል ትንኮሳ ክተተኣናግድ ትግደድ እያ። ብተወሳኺ ቦኽቢኹ ዘሎ ውሽጣዊ ሃፀያዊ ሓድነታን  ብሰበብ ስርዓት ብልፅግና ዝሰፈነ ፖለቲካዊ ቅልውላውን፣ ተፅኖ ግብፂ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዕዝዝ ክብል ገይርዎ  እዩ። እዙይ ብቀፃሊነት እንዳተጠናኸረ ዝኸይድ፣ ቀርኒ ኣፍሪካ  ናይ ምንጋዕ ዓቅሚ ዘለዎ ተፅኖ ’ዩ።

ብካሊእ ገፅ ሕቡራት ዓረብ ኤምረት  ምስ DP World ተተሓሒዙ ተሰጉሞ  ወደብ ናይ ምግባት፣ ብገንዘባዊ ምወላ ዝተዓጀበ ፖለቲካ ክቅፅል እዩ። ኣብ ወደባት ሶማሊ ላንድ ተንብሮ  ዘላ  ሰረት’ውን ብቀሊሉ ዝፈርስ እዩ  ኢላካ ምሕሳብ ኣይክኣልን። ኣብ ናይ ጂቡትን ኤሪትራን ወደባት’ውን ኢዳ  እንዳእተወት ምሕምዛቃ ኣይተርፍን። ኣብ ጉዳይ ናይ ወደብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ  ምኩሕቲ ናይ ኤምረትስ ተለኣኣኽት ኮይና ኣላ።  ኤምረትስ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ  ጠለብ ወደብ ባሕሪ ጠውለቅ ብምባል ኣብ ጉዳይ ኢትዮ-ኤሪትራ ዘይንዓቅ ኢድ ከምዘላው ምርዳእ ይከኣል። ምስ ኤምረትስ ኣብ ፍኩኩር እትርከብ ሳውዲ ዓረብያ እውን ኣብ ፖለቲካ  ወደባት ቀይሕ ባሕሪ እትውቲ እያ። ክሊትአን ሃገራት ሃገራዊ ድሌተን ንምዕዋት፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሃገራት ደምበ ፈጢረን ምቁርቋስን ኣይተርፍን። ብተወሳኺ ኣብ ግዜ ኦቶማን ቱርኪ ምፅዋዕ ከይተረፈ ቀይሕ ባሕሪ ዳርጋ ተቆፃፂራ ዝነበረት ዓሚል ግራኝ መሃመድ ቱርኪ፣ ሕዚ እውን ካብ ፖለቲካ ቀይሕ ባሕሪ ኢዳ ክተልዕል ትደሊ ኣይመስለንን።

ሃገራት ዓረብ ካብ ሻብዓይ ክፍለዘመን ጀሚረን ኣብ ምዕራባዊ ደንደስ ቀይሕ ባሕሪ ቀጥታዊ ተፅኖ  ብምዕራፍ፣ ኣብ ምድኻም ግዝኣተ-ነገስት ኣክሱም ዓቢይ ግደ  ከምዝነበረን ዝሰሓት ታሪክ ኣይኮነን። ኣብዚ ሕዚ እዋን’ውን ሰሜናዊ ቀርኒ ኣፍሪካ ብሓድነት ተኣሳሲሩ ምዕራባዊዊ ደንደስ ቀይሕ ባሕሪ ከውሕስ ፈፂመን ኣይደልያን። ብካሊእ ኣባሃህላ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ  ምቅዋስ ንገሊአን ሃገራት ዓረብ ዕድል ምዃኑ እዩ።

ሃገራት ዓረብ ካብ ናይ ኢንቨስትመንት ድሌተን ብተወሳኺ፣ ሰፊሕ ዕደጋ  ዘለዋ  ኢትዮጵያ ናይ ሸቀጠንን ወደባተንን ተጠቃሚት ገይረን ንምቅፃል ኣብ ዘርእይኦ ዝንባለ ድማ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ስርዓት ብልፅግና ንላዕሊ ዝሓሸ ተለኣኣኺ ክኸውን ዝኽእል ሓይሊ ዘይክረኽባ ይኽእላ። ስለዚ ናይ ኤምረትን ኢትዮጵያን ምትእስሳር ሓደ ምንጪ ምትርማስ ቀርኒ ኣፍሪካ እዩ።

ወደባት ኤሪትራ – ምፅዋዕን ኣሰብን – ብሓገዝ ዘይመትከላዊ ኣካያይዳ ህወሓት ዝወነነት ኤሪትራ ንዝሓለፉ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፣ ኣይተጠቅማትለን ወይም ኣይ ካልኦት ሃገራት ክጥቀማለን ገይራ፣ ኣብ ኣጋጉል ጠጠው ኢላ መጣልዒ ፖለቲካ ገይራተን ፀኒሓ  እያ። ኣብዚ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና  ብርኪ ግን ወደባት ኤሪትራ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ግዳማዊን ከባቢያውን ኩነታት ይነግስ ኣሎ። ስለዚ ኤሪትራ  ዓቢይ ህዝቢ ዝኾነ  ህዝቢ ኢትዮጵያ ጉሮሮ  ዓፅያ እትቅፅለሉ ዕድል ሰላማዊ ክኸውን እዩ  ኢልካ  ምሕሳብ ዕሽነት እዩ። ልቢ እንተገዚኣ ግን ምስ ኢትዮጵያ እትደራደረሉ ብዙሕ መንገዲ ኣለዋ።   

ብካሊእ ገፅ ስሉስ-ኩርናዓዊ ጥምረት ግብፂ፣ ኤሪትራን ሶማልያን ኣብ ሓባራዊ ጥቅሚ ዝተመስረተ  ዘላቂ ጥምረት  ክኸውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ ኤሪትራ ምስ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ሃዋህው ፈጢራ ወደብ እንተፈቂዳን ውሕሉል ምድርዳር እንተገይራን፣ ኢትዮጵያ ካብ ግብፂ ንላዕሊ ንኤሪትራ  ጠቃሚት ኮይና  ስለእትርከብ እቲ ሱሉሳዊ ፅምዶ  ክፈርስ ይኽእል እዩ። ሓፀያዊት ኢትዮጵያ ልቢ ኣጥርያ ንኤሪትራ ናይ ህዳሰ  ግድብ ሓይሊ ኤለትሪክ ተጠቃሚት እንተገይራ  ድማ፣ ኤሪትራ ናይ ግብፂ ኣጀንዳ  መሰጎሚት ካብ ምዃን ትቁጠብ እያ።

ኣብ ጉዳይ ሰሜናዊ ቀርኒ ኣፍሪካ’ውን ግብፅን ኤሪትራን ዘየስማዕምዕ ፖለቲካዊ ምዕባለ ናይ ምስፋን ዕድል ኣሎ።  ሰሜናዊ ቀርኒ ኣፍሪካ ምጥንካርን ምትእስሳርን፣ ንግብፂ ሓደ ኢትዮጵያ እተዳኽመሉ ገዚፍ በትሪ ኮይኑ ክወፅእ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዙይ ፈፂማ ዘይቲስማዕማዕ፣ ኣብ ዘይሳኻዕ ህንፀት ኤሪትራዊ ሃገራዊነት ዝተፀመደት ኤሪትራ ብቀጥታ ምስ ግብፂ ምግጫዋ ኣይተርፍን። እዚ ፖለቲካዊ ምዕባለ እዙይ እንተመፂኡ፣ ኤሪትራ ከምቲ 2013 ዓ.ም ዝገበረቶ ምስ ብልፅግና ኦሮሞ ኮይና ሰሜናዊ ቀርኒ ኣፍሪካ ክተልምስ ትሙክር እያ። ይኹን ድኣ እምበር፣ ፖለቲካዊ ሃዋህው ሰሜናዊ ቀርኒ ኣፍሪካ ናብዚ ብርኪ እዙይ ክምዕብል ሓይሊታት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋርን ኣንፃር ህግደፍ ዝቃለሱ  ሓይሊታት ኤሪትራን ጠንካራ ምትእስሳር ክፈጥሩ ይግባእ።

ብካሊእ ገፅ ሶማልያ ኣብ ጓጓኣ ዝንቀሳቀሱ ኣሸበርቲ ተዳኽም እንተኾይና ካብ ግብፂ ኢትዮጵያ ትሐሻ። ምኽንያቱ ኣልሸባብ  ይኹን ካሊእ ናይ ሽብር ውዳበ ንኢትዮጵያ፣ ኬንያን ኡጋንዳን’ውን ቀፃሊ ሓደጋ እዩ። ነዚ ውዳበ’ዙይ ናይ ምድኻም ዓቅሚ ዘለዋ ድማ እስካብ ሕዚ ኢትዮጵያ እያ  ነይራ። ስለዚ ሶማልያ ካብ ምስ ግብፂ ምትሕብባር ምስ ጎርባብታ  ምትሕብባር ዘዋፅኣ  ኮይኑ ስለእትረኽቦ፣ ካብቲ ሱሉስ-ኩርናዓዊ ፅምዶ ዓርሳ እተግልለሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል እዩ።

ብውልቀይ ከም ዝግንዘቦ ንቀርኒ ኣፍሪካ ሰላማዊ ሃዋህው ክፈጥር ዝኽእል ትግራይ፣ ኤሪትራን ኢትዮጵያን ምትሕብባር እዩ። እዘን ሃገራት እዚአን ግዝያዊ ጎንፂ ገዲፈን ንስርዓት ብልፅግና፣ ህግደፍን ህወሓትን ዝኣሊ ዝተኣሳሰረ ንቅናቀ እንተገይረን፣ ቁጠባዊን ፀጥታዊን ምትእስሳር ብምፍጣር ህዝበን ጠቂመን ዋሕስ ሰላም ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪካ’ውን ምኾና። ግን ድማ  ከምዙይ ዝበለ ውሕሉል ምትእስሳር ናብ ክውንነት ናይ ምምፃእ ዕድሉ ብጣዕሚ ፀቢብ እዩ።

ብኣጠቃላሊ ንውሑስ ሰላማዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪካ ናይ ህዝቢታት ኢትዮጵያ፣ ትግራይ፣ ሱዳን፣ ኤሪትራ፣ ሶማልያ፣ ኬንያን ጂቡትን ስሙር ሰላማዊ፣ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ምትእስሳር ምዃኑ ግልፂ  እዩ። ግን እዙይ ፈፂሙ ብቀሊሉ ዘይዕወት ሕልሚ እዩ። ዓለምለኻዊ ፖለቲካ ቀይሕ ባሕሪ፣ ናይል፣ ከምኡ እውን ፖለቲካ ወደባት ከምዙይ ዝበለ ምትዕርራይ ክሰፍን ዝፈቅድ ኣይመስልን። በዙይ ምኽንያት ተኳሳሓይነት ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪካ ምናልባሽ እውን ንቀፃሊ ወለዶታት ብዘይምቁራፅ ዝቅፅል መሲሉ  ይስማዓኒ።

7.   መዋፅኦ ትግራይ ከም ሓሳብ

ህዝቢታት  ቀርኒ ኣፍሪካ ተቀዳዳዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ክፈጥሩ ኣብዘይክእልሉ ብርኪ በፂሖም  ኣለዉ። ብቀሊሉ ናብ ዘይትዓረቅ ቅራነ ጥሕሎም ይርከቡ። ኣብዚ ብርኪ እዙይ ኮይንና  እንትንግንዘብ ድማ፣ እዚ ኩነታት ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ጫፍ ክትድፋእ ገይርዋ  ኣሎ። ሃገርነት ዝብል ሕልሚ ትግራይ ‘ውን ኣብ ሓፂር ግዘ ክውን ናብ ዘይኮነሉ ደረጃ በፂሑ ኣሎ። ስለዚ ትግራይ እንታይ እንተገይራ  ይሓይሽ?

ብመሰረቱ ህወሓት ዝከለሎ ካርታ ሒዝካ  ሃገር ምባል፣ ኣብ ዝኮነ መንቀቀር ዝኣተወ  ጂኦግራፊ ሒዝካ ሃገር ምባል ናይ ዓሌታዊያን ሕልሚ እዩ። ምኽንያቱ እዛ ሕዚ ዘላ ትግራይ ኣብ ውሱን ጂኦግራፊ ዝተቀርቀረት ጁባ እያ። እዛ  ጁባ እዚኣ ሕዝካ ሕልሚ ሃገራዊነት ተዐውት ምምኳር፣ ዘይነፅፍ ባርዕ ካብ ምትእንጋድ ሓሊፍካ ተዐውቶ ነገር የለን። ስለዚ እቲ መፍትሒ ኣብ ሕምብርቲ ሰሜናዊ ቀርኒ ኣፍሪካ ጠጠው ዝበለት ጠንካራ  ትግራይ ክተናዲ ምኽኣል እዩ ዝኾን ዘሎ። እዙይ ብኩይናት ዘይኮነስ ብውሕሉል ምድርዳር (Negotiation) ክመፅእ ይኽእል እዩ። እዙይ ዘዐውቶ  ስበት ክሕዝ፣ ኣተሓሳስባ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ብዘየላጢ ክስዓር ኣለዎ። ስለዚ ቁልፊ መዋፅኦ ትግራይ ኣተሓሳስባ ህወሓት ምስዓርን ዘይምስዓርን ኮይኑ ንረኽቦ። ልዕል ኢሉ ከም ተገለፀ ኣተሓሳስባ ህወሓት ምስዓርን ዘይምስዓርን ድማ ኣብ ኢድ ህዝቢ ትግራይ እዩ ዘሎ። ኣተሓሳስባ ህወሓት ዝሰዓረት ትግራይ ጠንካራ ሓድነት ዘለዋ፣ ዴሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስግግር ዘዐወተት፣ ናይ ምድርዳር ዓቅሚ ዘለዋ፣ ህዝባ  ብማዕረ ትሓቁፍ፣ ተብሃጊ ፖለቲካዊ-ቁጠባ ዝወነነት ዓዲ ናይ ምዃን ዕድላ ሰፊሕ እዩ።

ትግራይ ኣተሓሳስባ  ህወሓት ብፖለቲካዊ ህዝባዊ ቃልሲ ብምሽናፍ ውሽጣዊ ሓድነታ  ክተውሕስ እንተኽኢላ፣ ቀፂላ ምስ ብልፅግና ኦሮሞ ብግልፂ ክትደራደር ኣለዋ። በዚ መንገዲ እዙይ ኣቢላ ኣብ ድርድር ዝተመስረተ ሓዱሽ ናይ ፌደሬሽን ሕብረት ትፈጥር ትኽእል እያ።  እዚ ሓዱሽ ፌደሬሽን፣ ፅንተታዊ ጥቅዓት ዘሕለፈት ትግራይ ሰፊሕ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን ፀጥታዊን ነፃነት ክህባ ምቅላስ የድሊ። ካብቲ ሓዱሽ ምስ ኢትዮጵያ  ዝግበር ሕብረት ፌደሬሽን ክትረኽቦ  ዝግባዕ ኩሉ ነገር ሙሉእ ዘይጎደሎ ክትረክብ ኧቅግድን ክኾን ኣለዎ።

እዚ ምትዕርራይ እዙይ እንተዐውታ  ምናልባሽ ኩነታት ዓለም ውን እንዳተለወጠ  ስለዝኸይድ፣ ኣብ ዝሓሸ  ናይ ፌደሬሽን ነፃነት ኮይና ናይ ባዕላ  ትካላት ‘ውን ትሃንፅ ስለእትኽእል፣ ምስ ኣብ ከባቢኣ ዝርከቡ ህዝብታት እውን ዝሓሸ ምትእስሳር  ትፈጥር ስለእትኽል፣ ኣብዚ ብርኪ እዙይ ምስ በፅሐት ናይ ሰሜናዊ ቀርኒ ኣፍሪካ ፌደሬሽን  ክትሓስብ ይግባእ። እዙይ ከምከማይ እንተኾይኑ ዕውት ናይ ምዃን ዕድሉ ሰፊሕ እዩ።

ብልፅግና  ኦሮሞ ተደራዲሩ ሕቶ  ትግራይ ንምፍታሕ ድልው እንተዘይኮይኑ፣ ትግራይ ውሽጣዊ ሓድነታ ኣብዘይናጋዕ  መሰረት ኣንቢራ ህዝቢታት ሰሜናዊ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣተሓባብራ ኣንፃር  ብልፅግና  ኦሮሞ ብዘይንሕስያ ትቃለስ ኣለዋ። በዚ ቃልሲ’ዙይ ኣቢላ  ድማ ጥንታዊት ኣቢስንያ  ጠጠው ክተብል ይግባእ። እዙይ ማለት ህዝብታት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ተኣሳሲረም ከም ሓደ ንክሰርሑ ኩሉ ትግራዋይ መቃነቱ ኣስጢሙ ክሰርሕ ክለዓዓል ክኣምን ይግባእ። ኣብዚ ጉዳይ እዙይ ፍርሒ ኣየድልን፤ ናይ ኣቋም ምልስላስ እውን ኣየድልን። ብልፅግና  ኦሮሞ  ዓዱ ሕዙ ንክከይድ ዝከልከሎ የለን። ኣብ መቃብር ትግራይ እየ ዝገብሮ እንተይሉ ግን ከይቀበረና ክንቀብሮ ይግባእ።

እዙይ ከምዘለዎ ኮይኑ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ትግራይ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤሪትራን ዘይሻራዊ ማዕኸላይ ቦት ክትሕዝ ይግባእ። ናብ ኤሪትራ  ይኹን ናብ ኢትዮጵያ  ክትውግን ኣይግባእን። ምስ ኢትዮጵያ ኮይንካ ስርዓት ህግደፍ ምውቃዕ፣ ስርዓት ብልፅግና  ኦሮሞ ምጥንኻር እዩ። ምስ ኤሪትራ  ኮይንካ  ንኢትዮጵያ ምውቃዕ  እውን፣ ስርዓት ህግደፋዊያን ምጥንኻር እዩ። ብክልቲኡ  ወገን ተለኣኣኺት ትግራይ’ያ  ትፍጠር ወይም ትግራይ ፈፂማ  ትዳኸመሉ ኣጋጣሚ እዩ ክኸውን። እንተኾይኑ፣ እንተኾይኑ ቂም ንጎኒ ኣፅኒሓ፣ ውሕሉል ፃዕሪ ገይራ ኢትዮጵያን ኤሪትራን ክተታዓርቀን ትፅዓር። ምኽንያቱ ኢትዮጵያን ኤሪትራን ምዕራቅ ሓደ  ኩይናት ትግራይ ዝተርፈሉ መንገዲ እዩ። ኣብ 2013 ዓ.ም ብኢትዮጵያን ኤሪትራን ዝተኣወጀልና ፅንተታዊ ኩይናት ምምካን ናይ ኩላትና ተጋሩ ሓላፊነት ነይሩ። ሎሚ ድማ ምእንታ  ትግራይ እንትብሃል፣ ምእንታ ኩይናት ትግራይ ምትራፍ እንትብሃል፣ ኩይናት ኢትዮጵያን ኤሪትራን ምትራፍ ናይ ኩላትና  ተጋሩ ሓላፍነት ዝኾነ  ይመስል።

ኣብዚ ጉዳይ እዙይ ንፃወቶ ሃናፃይ ግደ ንመፃኢ ዕድል ትግራይ ስንቂ እዩ። ካብ ዝወረደ ኣተሃሳስባ ብርኽ ኢልካ ክትርከብ ምኽኣል ዳርጋ ጎዲኡ ኣይፈልጥን። ንቀፀሊ ክነንፅፎ እንደሊ ንፁር ፌደሬሽን መሰረት ዝገበረ ምትእስሳር እውን ፅቡቅ መበገሲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ናይ ሳውዲ ዓረብያ ናይ ትግራይ ዓበይቲ ሽማግለታት ክበልፅሉ ዝኽእሉ ኣምር ድማ ከምዝህሉ ይኣምን። እንተዘይኮይኑ ህዝቢ ትግራይ “ንኤርትራ ኣይወግእን፣ ንኢትዮጵያ’ውን ኣይወግእን” እንተኢሉ  ዘገድዶ ሓይሊ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። እዙይ ማለት ካብ በዚ ሕዚ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝወለዖ ዝኾነ  ይኹን ኩይናት፣ ህዝቢ ትግራይ ፈፂሙ ክሳተፍ የብሉን።  ንምዃኑ ትግራዋይ ናይ መን ዒላማ  ንምዕዋት ኢኻ ኤሪትራዊያን ትወግእ? ናይ መን ሕልሚ ንምዕዋት እንትብል  ኢኻ  ‘ኸ ኢትዮጵያዊያን  ትወግእ? ኣብዚ ሕዚ ዘለናዮ ብርኪ ኮይንካ ኢትዮጵያ  ብምውጋእ፣ ወይም ኤሪትራ  ብምጋእ ኣቢልካ ዉሕስ ዝኸውን ጂኦግራፊን ሰላምን ትግራይ ኣሎ ኢልካ ንምእማን ብጣዕሚ ኣፀጋሚ እዩ።

 ከም መጠቃለሊ፣ ትግራይ ካብ ጉዳይ ኤሪትራን ኢትዮጵያን ኢዳ  ስሒባ፣ ከም ኣብ ካልኣይ ኩይናት ዓለም ዝተሃሰያ ጀርመንን ጃፓንን ደኒነን ዓርሰን ዝሃነፃ፣ ትግራይ ‘ውን ካብ ኩይናት ኤሪትራን ኢትዮጵያን ዓርሳ ኣግሊላ፣ ኣብ ዓርሰ-ሕውየትን ምጥንኻር ሓድነት ክተትኩር ይግባእ። ሓድነት ትግራይ ድማ ኣብ መቃብር ኣተሓሳስባ  ህወሓት ‘ዩ ዝነግስ። ስለዚ ኣብዚ ህሞት እዙይ ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ህፀት፣ ኣተሓሳስብ ህወሓት ብምቅባር ኣቢልካ ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስግግር ዘዐውት ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብምሕያል ናብ ዝሓሸ  ሃዋህው ምስጋር  እዩ ኢለ  ይኣምን።  

Editor’s Disclaimer:
The views and opinions expressed in articles published by UMD Media are those of the authors and do not necessarily reflect the official position or editorial stance of UMD Media. Publication does not imply endorsement.

Call for Contributions:
UMD Media welcomes contributions from readers, including opinion pieces, articles, rejoinders, and critical analyses in Tigrigna, Amharic or English. We encourage diverse perspectives and thoughtful engagement on the issues that matter. Submissions can be sent to our editorial team for review. While we may not publish every submission, we are committed to fostering open dialogue and informed public discourse.

Subscribe to our multilingual YouTube channel at youtube.com/UMDMedia 

Scroll to Top