ሃይለኣብ ፤ ግንቦት 3 2017 ዓም
ዝሓለፈ 30 መጋቢት መርከብ ነጋሽ ኣብ መረበብ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ፌስቡክ ሓንቲ ቃዝኖት ዝመልኣ(melancholic) ፅሕፍቲ ኣካፊሉ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ምፅሓፍን ምዝራብን ንረብሓ ትግራይ ዝውዕል ለውጢ ከምዘየምፅእ፡ ዥዤክ ንዝብልዎ ሊቅ ተወኪሱ ድማ ኣብ ኸምዚ ዝበለ ኩነታት ለውጢ ንምምፃእ ብዝብል ዝግበር ንጥፈት ኹሉ pseudo activity(ሃሳዌ-ዕማም) ከምዝኾነ ገሊፁ ነይሩ።
መርከብ ትኽክል ድዩ? እንድዒ! ተመሳሳሊ ስምዒት ካብ ዝስመዐኒ ግን ነዊሕ ኾይኑ። እንተፀሓፍኽዎስ ይረብሕ ዶ ይኾን? ልዕሊ ሃሳዌ-ንጥፈት ኸ ክኾነለይ ይኽእል ዶ? ዝብል ሓሳብ ግን ሓንሳብ ሓንሳብ ይመፀኒ። ኣብቶም ሓሳባተ ሓንሳብ-ሓንሳብ ድማ እዚ ክፅሕፍ ተቐሲበ።
ፖለቲካ ትግራይ፡ ሓድሽ ኣባል ፖለቲካ ሸቐጥ ቀርኒ ኣፍሪካ(?)!
ዘየንበባ እንተሎ ንደቂ ትግራይ ይረብሓ ይኾና እየን ካብ ዝብለን መፅሓፍቲ ሓንቲ እያ። ኣሌክስ ደዋል ፀሓፊኣ፡ The Real Politics of the Horn of Africa… ድማ ርእሳ!። ነዛ መፅሓፍ ከም ዋና መወከሻ(reference) ተጠቒመ ኩነታት ትግራይ ክፍትሽ ድማ ክሙክር።
መፅሓፍ ደዋል ዋላ ብመጠን ንእሽቶ ትኹን፡ ከም ባሕሪ ሰፊሕ ዝኾኑ ሓሳባትን ኣምራትን ዝተሰከመት ስለዝኾነት፡ ከም ዋና መወከሲና እንትጥቀመላ፡ ‘ካብ ባሕሪ ብጭልፋ’ ከም ዝብልዋቶ፡ ሕንጥለይ ነጥብታት እታ መፅሓፍ እናተለቃሕኹ እየ ክቕፅል። ረቑሓታትን ባህርያትን Political Marketplace ድማ እተን ዝያዳ ካብ መፅሓፈ-ደዋል ዝለቀሐን ነጥብታት ክኾና እየን። ንቐፅል!
ደዋል ኣብዚ መፅሓፍ፡ ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ ንቡራትን ልሙዳትን ዓይነታት መንግስታዊ ምሕደራ ወፃኢ ናይ ባዕሉ ቅዲ ምሕደራ ከምዘማዕበለ ይነግረና፡ Political Marketplace ኢሉ ድማ ይፅውዖ። ሙሉጌታ ጫልቱ ኣብ ቀረባ The story of Ethiopian Governance፡ From a centralized Public Service Monopoly to ‘Big Man’ Politics ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘዳለዎ ፅሑፍ ንPolitical Marketplace ቅልል ብዝበለ “…one in which transactional politics trumps the rules, regulations and laws of formal institutions” ኢሉ ይገልፆ። ፖለቲካ ካብ ንሕጊን ትካላዊ ኣሰራርሓን፡ ንሸቐጥ(ንገንዘብ) እንትሓድር! ከም ማለት። ነዚ ፅሑፍ Political Marketplace ንዝብል ሰፊሕ ኣምር(concept) ፖለቲካ ሸቐጥ ኢለ ድማ ተርጉመዮ ኣለኹ። ይገልፆ ዶ ይኾን? እኹል ኣይመስለንን።
መፅሓፍ ደዋል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ ፖለቲካ ሸቐጥ ወፃኢ፡ ዝተፈለየ ፈተነ እንተሃለወ መንግስቲ መለስ ዜናዊ ሒዝዎ ዝመፀ ሃፍትን ክራይን(Resource and Rent) ብምእኹልነት ክሕዝን ትካላት ንክሃንፅ ዝህቅንን ልምዓታዊ መንግስቲ ኢህአዴግ፤ ከምኡ ድማ ፉሉይ(Somaliland Exceptionalism)ኢሉ ንዝገልፆ ፕሮጀክት ሶማሊላንድን ኾይኑ፡ ካብኦም ወፃኢ ዘሎ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካ ፖለቲካ ሸቐጥ ዝዓብለሎ ምዃኑ ይገልፅ። ፖለቲካ ትግራይ ‘ዳርጋ’ ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ፖለቲካ ሸቐጥ ከምዝተቐየረ ዝኣምን እዚ ፅሑፍ፡ ፈለማ ቁሩብ ንመወሳወሲ ዝኾኑ ነጥብታት ክርኢ ይመርፅ።
ረቑሓታት ፖለቲካ ሸቐጥ!
ንምዃኑ ፖለቲካ፡ ፖለቲካ ሸቐጥ ኾይኑ እዩ እንትበሃል እንታይ እንታይ ረቑሓታት እንተማልእ እዩ? Political Marketplace Framework(PMF) ዝተብሃለ መቓን ዝቐንበበ ኣሌክስ ደዋል ነዞም ቀፂሎም ዘለው ኣርባዕተ ረቑሓታት ይተናኽፍ።
1) ገንዘብ ኣብ ኢድ ፖለቲካዊ፣ ወታደራዊን ናይ ቢዝነስን ድልየት ዘለዎም ውልቀ ሰባት እንትኣቱ።
2) በትሪ ሕጊ መኽበሪ(Monopoly of Violence) ካብ ኢድ መንግስቲ ወፃኢ ወይ ብተወሳኺ ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓይልታት እንትኣቱ።
3) ፖለቲካዊ ውጥጣት ይኹን ገበናት ብሕጊን ኣሰራርሓን እንተይኾነስ ብሽምግልና እንትፍትሑ።
4) ኢኮኖሚ ምስ ደገ እንትትኣሳሰርን፡ ዓቕሙ ትሕቲ ዓቕሚ ደጋዊ ኣካላት እንትኸውንን። ኢሉ ድማ ነቶም ኣርባዕተ ረቑሓታት የፋልጠና። እዞም ረቑሓታት እዚኦም ምስትብሃልና ስዒቡ፡ ትግራይ ኸመይ ኣላ? ናብ ዝብል ተፍታሽ ምኻድ ድማ ልክዕ ይኸውን።
ትግራይ ካበይ ናበይ?
ንቐርኒ ኣፍሪካ ፅቡቕ ዘፀንዐ ክርስቶፈር ክላፋም ኣብቲ The Horn of Africa፡ State Formation and Decay ዝብል መፅሓፉ፡ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት፣ ዓሌታትን ህዝብታትን ዘለውዎ ቀርኒ ኣፍሪካ፡ ኣብ ናይ ዘመናት ኸይዱ ህዝቢ-ሕርሻን(agrarian) ህዝቢ-ሰበኽ ሳግምን(nomadic) ዝሰፈርዎም ኸባቢታት ዝተፈላለዩ ዓይነት ፖለቲካዊ ቅርፂ ምሕደራ(Political Order) ከምዘማዕበሉ ይፀውየና። እቲ ህዝቢ ሕርሻ ንተኸላ መንግስትነት ቀረባ እቲ ሰበኽ ሳግም ድማ ሩሑቕ ምዃኑ ይነግረና። መንግስትነት ደው ንዝብሉ ዓንድታትን ትካላትን ዝግዛእን ዘይግዛእን ኢልና ክንገልፆም ድማ ንኽእል።
ኣብዚ ቐጠና ካብ ዝርከቡ ንህዝቢ ሕርሻ ዝውክሉ ህዝብታት ሓደ ዝኾነ ብሄረ ትግራይ ናይ ዘመናት ቃልሱ ንተኸላ ትካላት ዝጥምቱ ነይሮም ምባል ይከኣል። ዝዓበየ ደሚቕ ታሪኽ እዚ ብሄር ንስልጣነ ኣኽሱም ምጣሹ እንትኸውን፡ ውድቀት ስልጣንኡ ስዒቡ ዘካየዶም ቃልስታት ድማ ካብ ናፍቕ እዚ ስልጣነ ዝፍልፍሉን ውፅኢቶም ንተኸላ ትካላት ዝህቅኑን ነይሮም። ድሕሪ ስልጣነ ኣኽሱም፤ ንጉስ ፅዮን፡ ዮሃንስ ራብዓይ ዝፈተኖ ንምልሰት ድሙቕ ታሪኽ ዝጥምት ቃልሲን ዓወትን ገዲፍና፡ እቶም ናይ ቀረባ ቃልስታት ‘ቀዳማይን’ ‘ኻልኣይን’ ወያነ ቁሊሕ እንትንብሎም እኳስ እቲ ቐዳማይ ‘ብገረብና ኢና ንመሓድር’ እቲ ካልኣይ ድማ ‘ንዳግመ-ውቀራ(state restructure)’ ዝጥምቱ ዓንድታት፡ እቶም ቃልስታት ንተኸላ ትካላት ዝህቅኑ ምንባሮም ካብ ዘረጋግፁ ኣብነታት ውሽጢ ኾይኖም ንረኽቦም። ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ዘሎ፡ ንብሄራዊነት ዋና ዓንዱ ገይሩ ሃገር ዝኣክል ዓብይይ ትካል ንምግሃድ ዝተግህ ቃልሲ እንትነስተብህል ድማ፡ ቃልሲ ብሄረ ትግራይ ንህንፀት ትካላት ኣብ ዝጥምት ምድብ እዩ ዝኣቱ ንዝብል ሞገት የራጉደልና።
ከምዚ ዓይነት ታሪኽ ቃልሲ ዘለዎ ብሄር፡ ሐዚ ‘ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ኣባል ፖለቲካ ሸቐጥ ቀርኒ ኣፍሪካ ኾይኑ እዩ’ ክንብል ከለና ደኣ እንታይ ምዕባለ ስለዝተርኣዮ እዩ? ዝብል ሕቶ ምምፅኡ ድማ ግቡእ ይኸውን።
እንታይ እዩ ማዕቢሉ?
ገባታይ(Vanguard) ዝነበረ ህወሓት-ኢህአዴግ ምግምማዕ 93 ስዒቡ እዚ ዝበሃል ናይ ሓባር (collective) ኣመራርሓ ዘይነበሮን ዝሓስቡ ዝበሃሉ ኣራእስ መብዛሕቲኦም ካብቲ ውድብ ዝተሰጎጉሉን(ዝራሕቕሉን) ኩነት ዋላ እንተፈጠረ፡ ንስነሓሳብ ይኹን ንተግባራዊ መሪሕነት ዘይሰንፍ ርእሲ ዝበሃለሉ መለስ ዜናዊ ‘ብዘፈልፍሎም’ ሓሳባት እናተመርሐ እዛ ዓዲ ኣካል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝገንገነ ፖለቲካ ሸቐጥ ንከይትኸውን ገይሩ እዩ። ‘ኣብ ፖለቲካ ሸቐጥ ቀርኒ ኣፍሪካ የለን’ ዝተብሃለሉ ህወሓት-ኢህአዴግ(ህወሓት) ምግምማዕ 93 ስዒቡ ሚሎቫን ዲላስ ሓዱሽ ገዛኢ ደርቢ(The New Class) ኢሉ ናብ ዝገልፆ ብርኪ ሓደ ፀጋማይ ሓይሊ ናይ ምልዋጥ ኸይዱ ከም ዝጀመረ ንሕቶ ትግራይ ዝፀሓፍ ተኽሊት ገ/መስቀል ይሙግት። ሕልፈት መለስ ስዒቡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሶቭየት ራሻ ዝኾነ ‘ብዘይ ስታሊን ስታሊናዊነት ስለዘይተኽኣለ’ ድማ እቲ ስርዒት ቀጥ ኢሉ ንምኻድ ከም ዝተፀገመን ናብ ሓደጋ ከምዝተቓለዐን እውን ተኽሊት ኣብቲ ዝተወከስናዮ መፅሓፉ ወሲኹ ይገልፅ።
ሕልፈት መለስ ስዒቡ ኣብ ንእሽቶ ዓመታት፡ ብሕብረት ‘ኦሮማራ’ ዝተስዓረ ህወሓት፡ ኣብ ኣፍሪካ ብፍላይ ፖለቲካ ሸቐጥ ኣብ ዝገንገነሎም ከባቢታት ብዘይረአን ዘይተለመደን መልክዑ ‘ታንክን ባንክን ብሰላም ኣረኪቡ’ ንመቐለ ኣንሳሓበ። ንፖለቲካ ብሄር ብሓፈሻ ሸለል ኢሉ፡ ንፖለቲካ ብሄራዊነት ትግራይ ድማ ፀቢብ ኢሉ ዝፈረጀ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካፒታል ዝመሰረቱ መንነት ክሃንፅ ዝሃቀነ ፖለቲካ ህወሓት፡ ብጥቕሉል ውፅኢቱ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀሞ ፅንተት ኣኽኣላይ ባይታ ዝፈጠረ ኾነ። ኹናት ፅንተት ትግራይን ውዕሊ ፕሪቶሪያን ስዒቡ፡ ዝተረፈት ሃፍቲ ንጉጅላዊ ረብሓ ከውዕል ዝህቅን ፖለቲካ ዝሓረየ ህወሓት፤ ትግራይ ንመፅናዕቲ ኣሌክስ ደዋል (ፖለቲካ ሸቐጥ ቀርኒ ኣፍሪካ) ተወሳኺ ኣብነት ክትኸውን ናብ ትኽእለሉ ብርኪ ኣብፂሕዋ ድማ ይርከብ።
ፖለቲካ ትግራይ፡ ሓዱሽ ኣባል ፖለቲካ ሸቐጥ ቀርኒ ኣፍሪካ(?)
93 ስዒቡ፡ ህወሓት ናብ ሓዱሽ ገዛኢ መደብ ለውጣ ዝፈለመሉ ገይርኻ ምውሳድ ይከኣል። ሕልፈት መለስ ስዒቡ ብፍላይ ህወሓት ንመቐለ ድሕሪ ምንሳሕቡ ሓዱሽ ገዛኢ መደብ ኾይንካ ክስርሑ ዝኽእሉ ስራሕቲ ምስራሕኳ ዘይኽእል፣ ጣጥኡ ስልጣንን ስልጣንን ጥራይ ዝገበረን ብሓያሎ ዝበስበሰን ውድብ ናብ ምዃን ከም ዝበፀሐ መሪሕነት እቲ ውድብ ካብ ዝህብዎም ቃለመሕተታት ይኹን ዝነበርናሉን ዘለናዮን ኩነታት ቁሊሕ ኢልኻ ካብ ምርኣይ ምርድኡ ቀሊል እዩ።
ንልዕሊ ርብዒ ክ/ዘመን ንኢትዮጵያ መሪሑ፡ ዓው ኢሎም ዝዛረቡ ኢኮኖሚያዊ ለውጥታት ከም ዘምፀአ ዝዝረበሉ ህወሓት-ኢህኣዴግ፡ ኣብዞም ‘ዘመናት ዓወታተይ’ ዝብሎም 27 ዓመታት ንብሄረ ትግራይ ንወሰን(periphery) ካብ ዘደፈአ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ሓሳቡን ተግባሩን ብተወሳኺ፡ ኣንፃር ብሄረ ትግራይ ንዘቕንዑ ተረኻት ‘ሽዋ’ ኢድ ዝሃበን ከም ዱኹዒ ዘገልገለን ምንባሩ ምሓዝ የድሊ።
ዓወት ኦሮማራን ምምፃእ ኣብይ ኣሕመድን ስዒቡ ንመቐለ ዘንሳሓበ ‘ስታሊኑ ዝሰኣነ ስታሊናዊ ሓይሊ’ ንብሄረ ትግራይ ይኹን ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ዝደናገፁ ደጋዊ ሓይልታት መሊኦም ኣብ ዘይጠፍእሉን ንመረፃ 2012 ሂቦምዎ ዝነበሩ ልዑል ኣቓልቦን ንበለል ብዘትርፍ መልክዑ ንብሄራዊ ረብሓን ዲሞክራሲን ተፀይፉ፡ ኩላ ወንበር ንባዕሉ ብምውሳድ ብሄረ ትግራይ ይመፆ ካብ ዝነበረ መዓት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክፈጥር ዝኽእል ሓቋፋይ፣ ብሄራዊን ዲሞክራሲያዊን መንግስቲ ናይ ምትካል ናይ መወዳእታ ዕድል ኣባኸኖ።
ኹናት ፅንተት ስዒቡ፡ ዝተኻየደ ህዝባዊን ብሄራዊን ቃልሲ ሓምሺሹ ኣብ ፕሪቶሪያ ውድባዊ ህልውንኡ ዘቐፀለ ህወሓት፡ 21 ሰነ ብፍላይ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ንትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ ኣካል ፖለቲካ ሸቐጥ ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ ዝገብር ኩነት ድማ ቀርቀራ።
ረቑሓታት ፖለቲካ ሸቐጥ ቀርኒ ኣፍሪካን ትግራይን!
መቓን ኣሌክስ ደዋል ፖለቲካ ሸቐጥ ኣሎ ንምባል፡ ኣርባዕተ ክማልኡ ዝግበኦም ዝብሎም ረቑሓታት ኣብ ላዕሊ ሪኢና ኢና። እምበኣር እዞም ኣርባዕተ ረቑሓታትን ትግራይን እናተሓሓዝና ተፍታሽና ንቐፅል።
1) ገንዘብ ኣብ ኢድ ወታደራዊ፣ ፖለቲካዊን ናይ ቢዝነስን ድልየት ዘለዎም ውልቀ ሰባት እንትኣቱ፦
ሕልፈት መለስን ምራተ ሓዱሽ ገዛኢ ደርቢን ስዒቡ፡ ሃፍትን ክራይን ምእኹል ዝገብር መንግስቲ እንትዳኸም፡ ገንዘብ ኣብ ኢድ ወታደራዊ፣ ፖለቲካውን ናይ ቢዝነስን ድልየት ዘለዎም ውልቀ ሰባት ናይ ምእታው ዕድሉ ይሰፍሕ። ውዕሊ ፕሪቶሪያን ምስረታ ግዚያዊ ምምሕዳርን ስዒቡ ዘተገማመዐ ህወሓት፡ ወታደራዊ፣ ፖለቲካዊን ናይ ቢዝነስን ድልየታትን ረብሓታትን ምስ ዘለዎም ውልቀሰባት ዘለዎ ርክብ ካብ ምጥንኻሩ ብተወሳኺ፡ ንግናይ(illicit) ፍልፍል ሃፍቲ ኣብ ዝተሳጠሐት ትግራይ፡ እዞም ሰበ-ገንዘብ ተመሳሳሊ ድልየትን ረብሓን ምስ ዘለዎም ጉጅለታት ህወሓት(ፀጥታዊ መሓውሩ ሓዊሱ) ክተኣሳሰሩ ዘኽእለ ኩነታት ፈጢሩ።
2) ዛዕባ በትሪ ሕጊ መኽበሪ(Monopoly of Violence)
ሓደ ዓዲ ስሩዕን ርጉዑን ስርዒት ክህልዎ ሕጊ ዝኽበረሉ በትሪ ኣብ ኢድ መንግስቲ ክኸውን ግድን ከምዝኾነ ብዙሕ ዝውገዐሉ (conventional) ፍልጠት እዩ። ፖለቲካ ንዘገድሶ ኹሉ ዋላኳ ግልፂ እንተነበረ 15 ጥሪ 2017 ‘ኮርን ካብ ኮር ንላዕሊን’ ብዝተሰመዩ ኣባላትን ኣመራርሓን ሰራዊት ዝተውሃበ መግለፂ፡ ሕጊ መፈፀሚ በትሪ ካብ ሙሉእ ቁፅፅር ምምሕዳር ደጀን ከም ዝወፀ ንኹሉ ግልፂ ኾይኑ እዩ። ኣብ ስሩዕ ኩነት ንሕጊ መኽበሪ በትሪ ክውንኖ ካብ ዝግበኦ ምምሕዳር(ደጀን) ወፃኢ ከምዘሎ ምርግጋፁን ነበር ፕሬዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ካብ መቐለ ምውፅኡን ስዒቡ፡ ኣብ ”ሓራ መሬት” ኣለኹ ዝብል ብረት ዝተሓንገጠ ምንቅስቓስ ንባዕሉ ብምፍላጥ፡ ዛዕባ ሕጊ መኽበሪ በትሪ(monopoly of violence) ኣብ ኢድ ብዙሓት ሓይልታት ዘእተወ ኩነታት ኣብ ትግራይ ከምዝማዕበለ ግልፂ ኾነ።
3) ፖለቲካዊ ፀገማት፡ ብሕጋውን ትካላውን መገዲ እንተይኾነስ ብሽምግልና ንምፍታሕ ምፍታን፦
ኣብ ውሽጢ ህወሓት ይኹን ኣብ ቤትፅሕፈት ሓወልትን ደጀንን ዘሎ ምክፍፋልን ቀውስን፡ ብውሽጣዊ ሕገ-ደንቢ (bylaw) ወይ እውን ብትካላዊን ሕጋውን መገዲ እንተይኾነስ ብሽምግልና ክእለዩ ይፍተኑ ከም ዝነበረ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ቅድሚት ካብ ዝስርዑን ንእዝኒ ፖለቲካ ትግራይ ካብ ዝተቖፃፀሩን ዛዕባታት እቲ ዋና ከም ዝነበረ ይዝከር።
4) ጉዳይ ኢኮኖሚ
ቅድሚ ኽልተ ዓመት ወርቂ ትግራይ ብገለ መሪሕነት ህወሓትን ሰራዊትን ናብ ሰበ-ሻዕብያ ይግዕዝ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ቀቁሩብ ምስ ወፀአ፡ ንህወሓት ብውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝተውሃቦ ንፅንተት ኣኽኣላይ ባይታ ዝፈጠረ(genocide enabler) ዝብል ክሲ(allegation) እኹል ድዩ? ዝብል ሓተታ ዝሓዘ ፅሑፍ ኣብ ገፅ መራኸቢ ፌስቡክ ኣካፊለ ነይረ።
ካብ ምእታው 2017 ጀሚሩ ብሕጋዊ ይኹን ብዘይሕጋዊ መገዲ መሬት ትግራይ፡ ንህዝባን ንኸባቢኣን ሓደገኛ ብዝኾኑ ኬሜካላት እንተይተረፈ እናተጎሕጎሐ ብብላሽን ግናይ ብዝኾነ መገዲን ይወፅእ ከምዘሎ ፀሓይ ዝወቀዖ ሓቂ እዩ። እፁብ ሃፍቲ ትግራይ ንደገ እንትወፅእ፡ ብርቱዕ መንግስቲ ዘይሃነፀት ትግራይ፡ ኢኮኖሚኣ ምስ ደገ ከምዝተኣሳሰረን ንትግራይ ኣብ ድኹም ስፍራ (weaker position) ኣቕሚጡ ዝዕየ ምዃኑን ንዘስተብህል፡ ኣሌክስ ደዋል ፖለቲካ ሸቐጥ ኣሎ ንምባል ካብ ዘቐመጦም ረቑሓታት ነቲ ናይ መወዳእታ እውን ዘማለአት ንክትኸውን ይገብራ።
መቓን ፖለቲካ ሸቐጥ ዝቐንበቦም ኣርባዕተ ረቑሓታት ኣብ ትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ ባይታ ከምዝሓዙ ሪኢና ኣለና። ንፖለቲካ ትግራይ ናብ ኣባልነት ሸቐጥ ፖለቲካ ዘብፅሑ ምዕባለታት ካብ ፈተሽና፡ ብጭቡጥ ዝተገበሩን ይግበሩን ዘለዎ፡ ንባህርታት ፖለቲካ ሸቐጥ ዝገልፁ ኣብነታት እናተወከስና ተፍታሽና ምቕፃል ድማ ዕዮ ቀፂሉ ዘሎ ርእሲ እዩ።
ፖለቲካ ሸቐጥ ትግራይ፡ ብባህርታቱን ጭቡጣት ኣብነታቱን እንትቕላዕ!
ትግራይና ኣርባዕተ ረቑሓታት ፖለቲካ ሸቐጥ ኣማሊኣ እያ ኢለ ይኣምን። መፅሓፍ ደዋል ፖለቲካ ሸቐጥ ብዝተፈላለዩ ባህርታት ንባዕሉ ከምዝገልፅ እውን ይነግረና። ተኣማንነት ንሓራጅ ምውፃእ(auction of loyalty)፣ መትከላውነት ብዘየገድስ ኣሰላልፋ ምቅይያር፣ ብረት ከም ዋና መሳርሒ ምጥቃም፣ ብገንዘብ ተኣመንቲ ምዕዳግ፣ ማሕበረሰባዊ ምራልን ስነ ምግባርን በዘየገድስ ረብሓኻ ጥራይ ምስሳን፣ ውልቃውን ጉጅላዊን ረብሓ ንምርካብ ብረት ዝሓዘ ሓዱሽ ሓይሊ ኾይንካ ምኽሳትን ዝኣመሳሰሉን ድማ ካብቶም መግለፂ ባህርታት ፖለቲካ ሸቐጥ ቀርኒ ኣፍሪካ ውሽጢ ኾይኖም ንረኽቦም። እዞም ዝገለፅናዮም ባህርታት ፖለቲካ ሸቐጥ ጭቡጥ ኣብነታት እናተወከስና ድማ ንርኣዮም።(ነዚ ፅሑፍ ሽድሽተ ኣብነታት ጥራይ ኢና ክንውከስ)
ኣብነት 1) ጥሪ 2015 ትሸዓተ ኣባላትን ተደናገፅትን ህወሓት ዝሓቆፈ ጉጅለ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ምክያዱ ስዒቡ ኣብ መንደር ማሕበራዊ ሚዲያ(ብፍላይ ፌስቡክ) ብርቱዕ ቁጠዐ ፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር። ብሄረ ትግራይ ንዝተፈፀሞ ፅንተት፡ ፍትሒ ናይ ምርካብ ዕድል ምልክቱ ኣብ ዘይተርኣየሉ፡ ፍትሒ ናይ ምርካብ ባህግን ጠለብን ድማ ገና ኣብ ዘይደብዘዘሉ እዋን ዝተኻየደ ዑደት ምንባሩ እቲ ቁጠዐ ብርቱዕ ክኸውን ትፅቢት ዝግበረሉ እዩ። እዚ ዑደት ትግራይ ኣብ ፖለቲካ ዕዳጋ ውፃእ ውረድ ምእታዋ መርድእ ዝነግር፣ ተኣማንነት ብሄር ብተኣማኒቶ ውልቃዊ ረብሓ ናይ ምቕያር ምልክት ብዕሊ ዝተርኣየሉ ነውሪ ነይሩ ምባል ይከኣል።
‘ንስምምዕ ፕሪቶሪያ’ ከም መመሳመሲ ተበሊፁን ትግራይ ክትንብርከኽ ከምዝፈቐደት ኣምሲሉን፡ ሃፍቱ ከመልስ ይኹን ስልጣን 4 ኪሎ ክወሃቦ ብዘማዕዱ ‘መሪሕነት ትግራይ'(ጉጅለታት ህወሓት) እውን ንዘይተፅሓፉ ቀያሕቲ መስመራት ብሄር ዝጠሓሱን ዝከሓዱን ነውርታት ተፈፂሞም እዮም። ነዞም ነውርታት ኣሌክስ ደዋል auction of loyalty ይብሎም፡ ተኣማንነት ናብ ሓራጅ ምቕራብ!
ኣብነት 2) ቅድሚ ሓደ ዓመት ንኽልተ ወርሒ ዝኣክል መንግስታዊ ስራሕቲ ገዲፍኻ ዝተኻየደ ኣኼባ ህወሓት ስዒቡ፡ ኣቦይ ስብሓት ኣብ TMH ምስ ዳደ ደስታ ፃንሒት ነይርዎም። ነቲ መንግስታዊ ዕዮታት ራሕሪሕኻ ዝተኻየደ፣ ኢድ ምትእትታው ኣባላት ኣመራርሓ ሰራዊት ብሓያሎ ከምዝነበሮ ዝንገረሉ፣ ዛዕባ ዝተወረረ ግዝኣትን ህዝብን ትግራይ ኣይመኸረን ዝተብሃለሉ ኣኼባ፡ ኣቦይ ስብሓት “ንኽልተ ዓመት ካብ ዝተኻየደ ህዝባዊ መኸተ ዝበልፅ” ኢሎም ካብ ምግላፆም ብተወሳኺ ጂኦፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ሓይልታት ኣመልኪቶም ‘ምስ ብፃይ ኢሳያስ’ ብዛዕባ ምስራሕ ዝሃብዎ ሓሳብ ቁጠዐ ዝፈጠረ ዛዕባ ምንባሩ ይዝከር።
ፃንሒት ኣቦይ ሰብሓት መትከል ብዘየገድስ ኣሰላልፋ ነነሻብ ንዝቀያየርዎ ፖለቲካ ሸቐጥ ብልክዕ ዝተሰፈየ ኣብነት እዩ ምባል ይከኣል። ኣብ ፖለቲካ ሸቐጥ ቀርኒ ኣፍሪካ ምስ ፀላእቲ ዝግበሩ ‘ፅምዶታት’ መስርሕን መትከልን ብዘየገድስ ንቡራት እዮም። ህዝባዊ ረብሓ ዘይብሉ ኣኼባ ካብ ኣንፃር ፅንተት ዝተኻየደን ብዙሕ ዘኽፈለን ቃልሲ ዘብለፀ ሓሳብ ኣቦይ ስብሓት፡ ሓደ ኽልተ ጀነራላት ትግራይ ኢሎም እንተሰይጥኑን፡ ብደም ደቂ ብሄረ ትግራይ ኢዱ ንዘጨቀየ ኢሳያስ ‘ብፃይ’ ኢሎም ምፅዎዖም ድማ ነቲ “ፀላኢ ፀላእየይ፡ መሓዛይ እዩ” ዝብል ንፖለቲካ ሸቐጥ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝገልፅ ብሉይ ኣበሃህላን ባህርን ፖለቲካ ሸቐጥ ዘዘክርን ትግራይ ናብ ፖለቲካ ሸቐጥ ሰተት ኢላ ከምዝኣተወት መርድእ ዝነገረን ገይርኻ ክውሰድ ይኽእል።
ኣብነት 3) ምንዛዐ ማሕተም፦
ጌታቸው ረዳ ቅድሚ ካብ መቐለ ምውፅኡ ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ዋና ስራሕ ቤት ፅሕፈት ህወሓትን መዘራረቢ ዛዕባ ፖለቲካ ትግራይን ምንጠላ ማሕተም ዝምልከት ነይሩ። ፖለቲካ ሸቐጥ ካብ ዝግለፀሎም ባህርታት ሓደ ንዝኾነ ጉጅለ ዝሓድር ብረት ዝተዓጠቐ ሓይሊ ኣብ ፖለቲካ ሸቐጥ ምስታፉ እዩ። ብረት ዝሓዘ ሓይሊ፡ ኩናት ከልዕል ይኽእል ወይ እውን ኩናት ከልዕል ዝኽእል ዊንታን ዓቕምን ከምዘለዎ ብምስኣል ድልየቱ የፈፅም። ሕጊን ትካላውነትን ዝኣመሰሉ ኣምራት ረጊፁ ጥሪ 15 ብዕሊ ንቤትፅሕፈት ህወሓት ከም ዝድግፍ ዝገለፀ ኮርን ካብ ኮር ንላዕልን ኢሉ ንባዕሉ ዝፀወዐ ሓይሊ ድማ፡ ምንጠላ ማሕተም ዋና ስርሑ ብምግባር ኣካል ፀዋታ ሸቐጥ ፖለቲካ ምዃኑ ብጭቡጥ ኣርእዩ።
ኣብነት 4) ኣብ ቀረባ ጋሻ UMD ኾይኑ ምስ ጌታቸው ኣሰፋ ፃንሒት ዝገበረ ጌታቸው ረዳ ካብ መንግስታዊ ካዝና ሰሊዑ ንህወሓት ስራሕ መካየዲ 100 ሚሊዮን ቅርሺ ከምዝሃበ ገሊፁ ነይሩ። ካብ ቃለመሕተት ጌታቸው እቲ ዝተውሃበ ቅርሺ፡ ንጉጅለ ሓወልቲ appease ንምግባር ዝሃቀነ እኳ እንተመሰለ፡ ‘ኻልኦት ሓይልታት ክቐርብሉ ካብ ዝኽእሉ ክፍሊት ሓፍ ዝበለ ዋጋ ብምቕራብ ተኣማንነት ንምግዛእ ዝተገበረ ፈተነን ገበንን እዩ’ ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ትግራይ ፖለቲካ ሸቐጥ ኣሎ ኢሉ ንዝኣምን ሰብ ዝበለፀ ስምዒት ዝህብን ዘአምንን ኾይኑ፡ ካሊእ ባህሪያት ፖለቲካ ሸቐጥ ዝተገለፀሉ ኣብነት ኾይኑ ድማ ንረኽቦ።
ኣብነት 5) ‘ሓራ መሬት’
ጌታቸው ረዳ መቐለ ምልቃቑ ስዒቡ፡ ፀገም ትግራይ ብብረት እዩ ዝፍታሕ ዝብል ሓይሊ ናብ ‘ሓራ መሬት’ ኸይደ ኣለኹ ክብል ተሰሚዑ እዩ። ንፁር ሓሳባት እዚ ምንቅስቓስ ዛጊድ ዋላ ግልፂ ኣይኹኑ(ብረት ምስካም ዝደኸማ ትግራይ፡ ብረት ክትስከም ክትግደድ እንተኾይና ብዋንኡ ንምስረታ ብሄረ ሃገረ መንግስትን ትካላቱን ብዝጥምት ሓይሊ ክኸውን ኣለዎ እብል) መዋልድ ምኽንያቱ ‘ብረት ካብ ዝዕብልሎ ሕመቕ ህወሓት’ ከምዝኾነ ምግማት ዝከኣል ዋላ እንተኾነ፡ ኣብ ፖለቲካ ሸቐጥ ንዝረአ ብረት(violence) ከም ዋና መሳርሒ ናይ ምጥቃም ንቡር ኣጋውልን ባህርን ዝገልፅ ተወሳኺ ኣብነት እዩ ምባል ይከኣል።
ኣብነት 6) ልፍዓተይ ተስፋ(ብርሃነ) ኣለው ካብ ዝበሃሉ ፖለቲካዊ ኣክቲቪስታትን ፕሮፖጋንዲስታትን ጉጅለ ሓወልቲ-ህወሓት እቲ ዋና እዩ። ኣብ ቀረባ ምስ ዋና ፕሮፓጋንዲስት ሻዕብያን ኣብ ግዘ ኩናት ፅንተት ኣኽሱም ተረኺቡ ኣብ ፅንተት ትግራይ ዘባጨወን ኣወል ሲዒድ ተራኺቡ ፃንሒት ምግባሩ ስንባደ ዝፈጠረ ክስተት ነይሩ። ከም ደደቢት ዝኣመሰሉ ዋና ክንፍታት ሚዲያ ጉጅለታት ህወሓት ዝሓዝዎ፡ ‘ዋላ ኣብ ኪሳራ ብሄረ ትግራይ፡ ረብሓ ጉጅለና ይረጋገፅ’ ዝኾነ ንኹናት ሕድሕድ ዝፅውዕ መገዲ ድማ ኣሎ። ነቲ ሓደ ፍንጫል ህወሓት(ጉጅለ ጌታቸው) ዝደናገፁን ንብሄረ ትግራይ ናብ ሓደጋ ዘአቱ ክሳብ ግዝኣታዊ ሓድነታ ዝክሕድ መልእኽትታት ፎቖዶ ማሕበራዊ ሚዲያ እንትጥቅዑ እውን ተራእዮም እዮም። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ብኣክቲቪስታትን ሚዲያታትን ጉጅለታት ህወሓት ዝተፈፀመ ቅዲ ‘ፕሮፓጋንዳ ትግራይ ምቕንጫራ’ ንብሄረ ትግራይ ናብ ምብትታን ዝዕድም ግናይ መገዲን ተወሳኺ ባህርን ኣብነትን ፖለቲካ ሸቐጥ ገይርካ ክውሰድ ይኽእል።
እዚኦምን ኻልኦት ብዙሓት ተመሳሰልቲ ኣብነታትን እንትንርኢ ፖለቲካ ሸቐጥ ካብ ዝገለፀሎም ባህርታት ሓደ ንዝኾነ ሞራልን ሰነምግባርን ረጊፁ ንረብሓ ጉጅለ ዝሽቅጥ ቆለ ኣብ ትግራይ ንባዕሉ ከም ዘባዘሐ ምርዳእ ንኽእል። እዞም ኣብነታት ኽውን ክኾኑ ፋይናንስ ዝገብር ሊሂቅ፣ ትካላትን ጉጅለታትን ኸምዘለው ድማ ግልፂ እዩ። ኣሌክስ ደዋል “The real politics of north-east Africa’s ruling elites operates on a different moral register to the lives of their citizens” ኢሉ ጎሂኡ ንዝገልፀሉ ሞራላዊ ምራተ ድማ ብልክዕ ዝተሰፈዩ ኾይኖም ንረኽቦም።
መዋፅኦ ይህሉ ዶ?
እፁብን ፍትሓውን ዕላማ ተሸኪሙን ተዓዊቱን ዝበሃለሉን መንግስቲ ምዃን ካብ ዝኸኣለን ሓይሊ፡ ናብ ሓዱሽ ገዛኢ ደርቢ ኢሉ ድማ ናብ ፖለቲካ ሸቐጥ ወሪዱ ንትግራይ እውን ዘውረደ ፖለቲካ ህወሓት፡ ሐዚ ተገማሚዑ እውን ዋና ተዋሳኢ ፖለቲካ ትግራይ ምዃኑ ስንግጢር እዩ።
ብሄራዊ ሓይሊ መንግስቲ ኣብ ዘይኾነላ፣ ሉዑላዊ ግዝኣታ ኣብ ዝሰኣነት፣ ፅንተት ተፈፂምዋ ኣብ መከራ ዘላን ፖለቲካ ሸቐጥ ኣብ ዝገንገነላን ትግራይ ካብ ደልሃመትን ጀቕጀቕን መዋፅኦ ዝኾን ‘ኣስማት'(Magic) ምርካብ ምናልባሽ እታ ኣብ መእተዊ ፅሑፍና ካብ መርከብን ዥዤክን ዘተለቃሕናያ ሃሳዌ-ንጥፈት መሊሳ ናብ ርእስና ቅጅል ክትብል ዝገብር ይመስለኒ። ይኹን እምበ፡ መዋፅኦ ክጥቁም ዘይፍትን ፅሑፍ፡ ደልሃመት ጥራይ ከምዝፅውዕ ብምእማን፡ ኣለሻ መዋፅኦና ክንእልሽ ንግደድ።
መዋፅኦ እንትብል ኣብ ቀረባ ክፍፀሙ ስለዝግበኦም ኽልተ ርቀት(sophistication) ዘለዎም ዘይመስሉ ግን ድማ ረብሓ ዘለዎም ዝመስሉኒ ነጥብታት ጥራይ ከተኩር እዩ ዓቕሚ ዝህልወኒ። ህድኣትን ዕዮ ብሄራዊ ደንበን ድማ ነጥብታተይ እዮም።
ቁሩብ ንድሕሪት ንመለስ፡ ዘመነ ሽግግርን እማመ ሽግግር መንግስትን!
ትግራይና ኣካል ፖለቲካ ሸቐጥ ቀርኒ ኣፍሪካ ከምዝኾነት ዝኣምን ኾይነ፡ ብተወሳኺ መሓመድ ራቢ troubling times እናበለ ኣብ ዝፅውዖ ዘመነ ሽግግር(Transition Period) ከም ዘለና እውን ይኣምን። ራቢ ሓደ ነባር ስርዒት(order) ኣሪጉ ኣብ ደገኣፍ ሞቱ እንትበፅሕን፡ ሓዱሽ ስርዒት ተጠኒሱ፡ ገና ከይተወለደ እንተሎን ንዘሎ ግዘ እዩ ዘመነ ሽግግር እናበለ ዝፅውዖ።
መሓመድ ራቢ ብዛዕባ ዘመነ ሽግግር ኣብቲ Global Economic and Cultural Transformation ዝብል ብሉፅ መፅሓፉ ብደቂቑ ይፍትሾ። ራቢ ብዛዕባ ዘመነ ሽግግር እንትፀውየና ንታሪኽ ወዲ ሰብ ኣብ ኣርባዕተ ስልጣነታት ኸፊሉ፡ ወዲ ሰብ ካብ ዓሌታዊነት ናብ ስልጣነ ሕርሻ፣ ካብ ስልጣነ ሕርሻ ናብ ስልጣነ ኢንዱስትሪ፣ ከምኡ ድማ ካብ ኢንዱስትሪ ናብ ዘመነ ፍልጠት(ስልጣነ ፍልጠት) ንዝግበር ኸይዲ እዩ ዝምርምረልና። ካብ ዓውዲ(context) ራቢ ኣውፂአ ከቢድን ፅንኩርን ንዝተብሃለ ዘመነ ሽግግር፡ ትግራይና ብትርከበሉ ኩነት ብሓፂሩ ክሪኦ ድማ ክፍትን።
ኣብ እዋነ ሽግግር ትግራይና ከምቲ ትርከቦ ድንፃወ፣ ናበይ ከምትኸይድ ይኹን እንታይ ከምትገብር ዘይምፍላጥ፣ ደንበርበርን ተስፋ ምቑራፅን ዓብሊሎምን ገንጊኖምን ይወፁ። ብርግፅ ቕልውላው ዘመነ ሽግግር ንሓደሽቲ ፈጠራታትን ሓሳባትን እውን ባይታ ይፈጥር እዩ።
ትግራይ ዓድና ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ጥራይ እንተይኾነስ ርእሲ ሓፋሽ እውን ተቖፃፂሩ ዝፀነሐን ንባዕሉ Vanguard ኢሉ ዝፅውዕን ህወሓት እያ ፀኒሓ። ብፍላይ ድሕሪ ሞት ዋና ሓሳቢኡ ዝነበረ መለስ ዜናዊ ንኹለ-ነገር ትግራይ ተቖፃፂሩ ዝቐፀለ ሓይሊ ‘ስልጣንን ስልጣንን’ ጥራይ ናብ ዝግድሾ ሓይሊ ተቐይሩ፡ ጨና ሓዱሽ ሓሳብ ጠፊእዎ ክብስብስ ክኢሉ እዩ። ሽኻሉ ኣብ ሽዋ ዝገበረ ህወሓት እንትብስብስ፡ ሽኻሉ ትግራይ ዝገበረ ኻሊእ ሓሳብ ድማ ብሓዱሽ ወለዶ ትግራይ ክፅነስ ተኻኢሉ ነይሩ። እቲ ሽኻሉ ሽዋ ዝገበረ ሓይሊ ኣብ ደንበ ኢትዮጵያዊነት ዝኣቱ ኾይኑ፤ እዚ ሓዱሽ ዝተጠነሰ፡ ክወለድ ግን ገና ዘይኸኣለ ሓሳብ ድማ ንብሄራዊ ደንበ ዝውክል ሓይሊ ገይርና ክንወስዶ ንኽእል።
ኹናት ፅንተት ስዒቡ፡ ትግራይ ጠቕሊላ ኣካል ፖለቲካ ሸቐጥ ቅድሚ ምዃና፡ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ትግራይ፡ ብፍላይ ካብ ብሄራዊያን ውድባትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ትግራይ ካብ ዝኣተወቶ ጀቕጀቕ ዘውፅእ ዝበልዎ ሓሳባት እንተቐረቡኳ፡ ኣካል ፖለቲካ ሸቐጥ ቀርኒ ኣፍሪካ ክኸውን ኣብ ደገኣፍ በፂሑ ብዝነበረ ህወሓትን ዝመርሖ መንግስትን ብተደጋጋሚ ተነፂጉ እዩ። ኣብዚ ብፍላይ ብሳልሳይ ወያነ ትግራይ(ደሓረ ውናት እውን ዝተቐበሎ) ዝቐረበ 36 ዝገፁ ሰነድ ሽግግር መንግስቲ ንመዋፅኦ ትግራይ እቲ ዝሓሸ ሓሳብ እኳ እንተነበረ ህወሓት ኣባል ፖሊት ቢሮን ቃልኣቐባሊኡን ብዝነበረ ጌታቸው ረዳ ‘ናይ ዓመፅ መንግስቲ ኢና’፣ ሓላፊ ቤትፅሕፈት ህወሓት ብዝነበረ ኣለም ገ/ዋህድ ድማ ነቶም ውዳበታት እዚ ሓሳብ ብኽሲ(allegation) ብሄራዊ ክሕደት ፀዊዑ እዚ ሓሳብ ክውገዝን ክንፀግን ገይሩ። ዘለናሉ ኩነታት ተረዲኡ ነቲ ፃውዒት ክቕበል ትፅቢት ዝግበረሉ ቀሊል ዘይበሃል ቁፅሪ ሊሂቅ እውን ሓሳብ ሽግግር መንግስቲ ኣብ ትግራይ እግሪ ከይተክልን ዛዕባ ከይኸውንን ‘ዳርጋ ኣብ ጎኒ ህወሓት’ ኾይኑ ዝከኣሎ ሰሪሑ እዩ።
ንፅገት ዝገጠሞ ሓሳብ ሽግግር መንግስቲ፡ ቁሩብ ከም ዘምለጠን ዘጣዕስን ዕድል ገይረ ዝሪኦ ኾይነ፡ እንተወሓደ ኣብቲ እዋን ባይቶና ሒዝዎ መፂኡ ዝነበረ ሓሳብ ‘ካውንስል’ ብህወሓት ተቐባልነት ዘይምርካቡ እንትነስተብህል ህወሓት ፈፂሙ ብሄራዊ ሓይሊ ክኸውን ዘይከኣሎ ምዃኑ ዘረጋግፅ ተወሳኺ ኣብነት ነይሩ።
ደጀንን ሓወልቲን፡ ኣሰላልፋ ብሄራውያን ተጋሩ ኽልተ ዓመትን!
ኣብዚኣ ቁሩብ ሰብ-ሰብ ዝጨኑ ዕላል ንወስኸላ
መወዳእታ ኻልኣይ መፋርቕ 19ክ.ዘበን፡ ፈረንሳይ። ኣይሁድ ፈረንሳዊ ኣልፍሬድ ድረይፉስ ኣብ ሰራዊት ፈረንሳይ መኮነን ኸቢድ ብረት(Artillery Officer) ኾይኑ የገልግል ነይሩ። ንጀርመን ስራሕቲ ስለያ የሳልጥ እዩ ብዝብል ብገለ መራሕቲ ፀጥታ ፈረንሳይ ተኸሲሱ፡ ብክሕደት ሃገር ተፈሪድዎ ዴቭልስ ኣይላንድ ናብ ዝኣክል ምድራዊ ማሓዩር ክዳጎን ተገበረ። ኣብቲ ዘመን ካብ ዝነበሩ ስሙያት ፈረንሳውያን ፀሓፍቲ ሓደ ዝኾነን ናቹራሊዝም እናተብሃለ ዝፅዋዕ ቅዲ ኣፀሓሕፋ ኣፋሊጡን ዝበሃለሉ ኢሜል ዞላ ነዚ ውሳና ብምቅዋም J’ Accuse (I accuse)ዝብል ርእሲ ዝሃቦ ፅሑፍ ኣብ ጋዜጣ ፈረንሳይ L’Aurore ክሕተም ገበረ።(Dreyfu’s affair እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕን ዝንቡዕ ፍርዲ ድረይፉስን ፅሑፍ ኢሜል ዞላን ውዑይ ዛዕባ ከተማታት ፈረንሳይ ኣብ ዝነበረሉ ኣብቲ ግዘ ንሱ፡ ጋዜጠይናን ዓለምለኻዊን ዘነበረን ቴድሮ ሄርዘል ከም ኣጋጣሚ ኣብ ፈረንሳይ ስለዝነበረ፡ ዛዕባ ድራይፉስ ንዝነበሮ እምነት ዓለምለኻዊነት ጠንጢኑ ጠበቓ ኣይሁድ ክኸውን ዝደረኾ ክስተት ከምዝኾነ ይዝረብ እዩ)።
ነዚ ዛዕባ ስዒቡ ኣብ 1898 ብኢሜል ዞላ ዝተለዓዓሉን ንባዕሎም Dreyfusards ኢሎም ምፅዋዕ ዝጀመሩን ኣብ ኣሜሪካ ይርከቡ ዝነበሩ ምሁራት፡ Manifesto of The Intellectual ዝብል ርእሲ ዝሃብዎ ሰነድ ብምቕንባብ ዛዕባ ግደ ሊሂቅን ምሁርን ከም ብሓዱሽ ክበራበር ገበሩ።
Who Rules The World? ኣብ ዝብል መፅሓፉ ነዚ ዘዕልለና ናኦሚ ቾሚስኪ፡ ንሙሁራት ኣብ ኽልተ ደንበ ኸፊሉ ሓለፍነቶም ከፋልጠና እውን ይፍትን። ድረይፉሳዊያንን ፀረ-ድረይፉሳውያንን ንዝብሎም እዞም ደንበታት ሊሂቃን፡ ነቶም ቀዳሞት ከም ጠበቓታትን ሓለውትን ፍትሒ፡ ብመትክልን ትብዓትን ንመንግስቲ ዝህይሱን ዝገጥሙን ገይሩ እንትስእሎም፡ ነቶም ኻልኦዎት ድማ ለውጢ ዝመፅእን ብርቱዕ ስርዒት ዝህሉን ንመንግስቲ ብምድጋፍ ከምዝኾነ ዝኣምኑ ገይሩ ይስእሎም።
ፀጋማዊ ኣጋውል (socialist leaning) ዘለዎ ቾሚስኪ ነቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኸቢድ ተቓውሞ ዘልዕሉ ድረይፉሳዊያን ስለዝደናገፅ፡ ንደገፍቲ መንግስቲ ድማ ስለዝፅየፍ ኣብዚ ንሰናበቶ። ሓደ ዓዲ ወይ ብሄር ንመንግስቲ ዝድግፍን ዝቃወሙን ሊሂቃንን ሙሁራትን ክህልውዎ ንቡር እዩ። ኣብ ምህላዎም ድማ እቲ ዓዲ ወይ ብሄር ዝበዝሕ ግዘ ተረባሒ ይኾን። ብብሄራዊያን መናእሰያታ ኣቢላ ባርኾት እዚ ‘ቆለ'(ንመንግስቲ ምድጋፍን ምቅዋምን) ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ናብ ዘርአየትና ትግራይ ንመለስ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኸ ግደ ብሄራውያን ሊሂቃና እንታይ እንተኾነ እዩ መዋፅኦ ዝርከብ? ዝብል ምርኣዩ ድማ ኣገዳሲ ይኸውን።
ኣጣይሽኡ ኣበር(birth defect) ዝነበሮ፣ ንውዕሊ ፕሪቶሪያ ጠንጢኑ ንኣራትኪሎ ኢድ ዝነሰአ፣ ይቐርቡ ዝነበሩ እማመታት ምስረታ ግዝያዊ ምምሕዳር ነፂጉን ዕብለላ ህወሓት ኣረጋጊፁን ዝተጣየሸ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ፡ ካብ መፈለምትኡ ጀሚሩ፡ ንደንበ ብሄራዊነት ትግራይ ‘እዚ ምምሕዳር ይደገፍ ዶ ኣይደገፍ?’ ኣብ ዝብል ንኽልተ ዝኸፈለ ነይሩ። ህወሓት ካብ ወሳንነት ፖለቲካ ትግራይ ክእለ ወይ እውን ሓደ ተዋሳኢ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ደንበ ብሄራዊነት ስምምዕኳ እንተሃለዎ፡ ገሊኡ እዚ ዕላማ ክሳኻዕ ንግዚያዊ ምምሕዳር ምድጋፍ ግድን እዩ እንትብል፡ ገሊኡ ድማ ካብ ኽልቲኦም ብምርሓቕን ደንበ ብሄራዊነት ጥራይ ክብርትዕ ብምግባርን እዩ ዝሳኻዕ ዝብል ቅዋም ብምሓዝ ንኽልተ ዓመት ዝቐፀለ ስልታዊ ኣፈላላይ ክፍጠሮም ኽኢሉ።
ካብ ዕብለላ ህወሓት ዘይተናገፈ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምምስራቱ ስዒቡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ምግምማዕን ጉጅለታትን ክፍጠራ እውን ኣይደንጎየን። ገባታይ ባህሊ ፖለቲካ ህወሓት ‘ሚኢቲ ወይ ዜሮ እዩ’ ከም ዝበሃል፡ መቐመጢ መንግስትነት ትግራይ ካብ ዝኾነ ‘ደጀን’ ተደፊእና ኢና ዝበለ ጉጅለ ሓወልቲ ህወሓት፡ ህወሓት ኣብ ኽልተ ክትምቀል፡ ብውፅኢቱ ድማ ዝርካባ ረብሓ ትግራይ ናይ ምኽባር ዕድል ክዕፆ እውን ካብ ደጋዊ ሓይልታት ዘይንእስ ግደ ተፃዊቱ እዩ።
ኣብ ድላዩ ጉጅለ ይሃሉ፡ ሓዱሽ ገዛኢ መደብ፣ ንፅንተት ኣኽኣላይ ባይታ ዝፈጠረ፣ ዋና ፖለቲካ ሸቐጥ ዝኾነ ህወሓት፡ ንመዋፅኦ ዝኸውን ሓሳብ ከም ዘይብሉ ደጋጊሙ ኣመስኪሩ እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዋና ፍልፍል ስልጣንን ሓሳብ ስልጣን ዝፍፀመሉ ብረትን ዝተሓንገጠ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን።
ሓሳበ-መዋፅኦ ብሄረ-ትግራይ ዝርከብ ዝበዝሕ ኽፋሉ ኣብ ፖለቲካ ሸቐጥ ካብ ዘይተጠላቐየ ደንበ ብሄራዊነት ትግራይ እዩ ኢለ ይኣምን። ዝሓለፈ ኽልተ ዓመት ዝነበሮ ስልታዊ ፍልልይ ቀልቢሱ፡ ናብ ስምረት ክመፅእን መዋፅኦ ክእንፍትን ታሪኽ ኣብ ቀጢን መገዲ ከም ዝሓፀዮ ድማ እኣምን። እንተኾነ ግን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዋና ፍልፍል ስልጣንን ሓሳብ ስልጣን ዝፍፀመሉ ብረትን ዘይብሉ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን።
እምበኣር እቶም ኽልተ ነጥብታት ንርኣዮም!
1) ህድኣት፣ ህድኣት፣ ሐዚ እውን ህድኣት!
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብራኸ ሾው፡ ንኣባል ብሄራዊ መሪሕነት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝኾነ ሓያሉ ጎደፋይ ጋሻ መደቡ ገይርዎ ነይሩ። ሓያሉ ምስ መድህን ገ/ስላሰ ኣብ ዝነበሮ ንህልው ኩነታት ትግራይ ዝጥምት ፃንሒት፡ ብተደጋጋሚ ህድኣትን ምርግጋዕን ዝብላ ቃላት ክጥቀም ተራእዩ። ትግራይ ካብ ዘላቶ ጀቕጀቕ ክትወፅእ ሓይልታት ፖለቲካ ትግራይ ህድኣት ናብ ዝብልዋቶ ቁውም-ነገር ስጉሚ ካብ ምጅማር ይፍልም። እዚ ብፍላይ ዝርካባ ስልጣን ትግራይ ተመሊሱ ዝተቖፃፀረ ንዝመሰለን ዋና ወኪል ፖለቲካ ሸቐጥ ትግራይ ንዝኾነን ህወሓት ይምልከት። ህወሓት ተነፃፃሪ ሓይሊ ንክህልዎ ኣኽኣላይ ባይታ ካብ ዝፈጠሩ ኣባላት ፀጥታ ትግራይ እውን ህድኣት ይጥለብ። ‘ኮርን ካብ ኮር ንላዕልን’ ዝተሰመየ ሓይሊ ኣብ ፖለቲካ ሸቐጥ ንጉጅለ ሓወልቲ ደጊፉ ብግልፂ ምውሳኡ ስዒቡ፡ ኣንፃር እዚ ምዕባለ ጠጠው ኢለ ዝበለ ዕጡቓዊ ምንቅስቓስ ምጅማሩ እንትንዕዘብ፡ ህድኣት! እንትበሃል፡ ብዓብይኡ ምእንተ ድሕነት ብሄረ ትግራይ፡ ከምኡ እውን ምእንተ ባዕሎም ምዃኑ ኣባላት ‘ኮር’ ክርድእዎ ግድን ይብል።
እዚ ሰንኩፍ(clumsy) ዝመስል ለበዋ እንተቕርብ ባህረያት ህወሓትን ፖለቲካ ሸቐጥን ካብ ዘይምርዳእ እንተይኾነስ፡ ፖለቲካ ሸቐጥ ኣብ ዝገንገነሉ ቀርኒ ኣፍሪካ፡ ሓደ ሓሳብ ዝወደአ ግን ብረት ዝተዓጠቐ ሓይሊ ከስዕቦ ዝኽእል መዓት ካብ ምርዳእ ዝምንጩ እዩ። ምናልባሽ ኣብዚ ጉዳይ ፖሊሲ 00 ዝብል ብውናት ዝቐረበ ኣማራፂ ከም ሓደ መደራደሪ እማመ ኾይኑ ክቐርብ ይኽእል።
ህድኣት፡ ምልቃቕ ጌታቸው ስዒቡ ኣብ ‘ሓራ መሬት’ ኣለኹ ካብ ዝበለ ሓይሊ ከምኡ እውን ንጥፍኣትን ሕድሕድ ኹናት ትግራይ ዝውዕልን ተረኽ ከቀፃፅሉ ይውዕሉ ካብ ዘለው ሚዲያታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ትግራይ እውን ብህፁፅ ይጥለብ። ኣብ 2014 ፃውዒት ሽግግር መንግስቲ ስዒቡ፡ ሚዲያ ደደቢት ‘ፃህያያት ትግራይ ይፃህየዩ’ ዝብል ኣብ ውሽጢ ትግራይ ፅንተት ክፍፀም ዘለዓዓለ መደብ ምስርሑ ይዝከር። ካብቲ ግዘ ንሱ ንነዘ ኣብ ሚዲያታት ይኹን ማሕበራዊ ሚዲያ ነዚ ዝመስሉ እከይ ሓሳባት ብበዝሒ ፈሲሶም እዮም። ማሕበራዊ ውቕሪ ብሄረ ትግራይ ኣፍሪሱ መሊእኻ ጥፍኣት እዚ ብሄር ዘሳልጡ እዞም ተረኻት እዚኦም ጋላህቲ ሕድሕድ ኹናት ትግራይ ናይ ምዃን ሰይጣናዊ ዓቕሚ እውን ዝተሰከሙ እዮም።
ካብ ጉጅለታት ህወሓት ክሳብ ዕጡቓት ዝተፈላለዩ ደንበታት፡ ካብ ትካላት ሚዲያ ክሳብ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘለው ኣካላት፡ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ንትግራይ መሊኡ ኣብ ዘጥፍእ ፖለቲካ ሸቐጥ ይሳተፉ ምህላውም ተረዲኦም ብህፁፅ ህድኣት ናብ ዝጥለበሎም ብሄራዊ ምኽክራት(ብሄራዊ ጉባኤ) ክሳብ ዘይመፁ፡ በርትናንድ ረሰል ኣብቲ The Practice and Theory of Bolshevism ዝብል ኽታቡ “The evils of war, especially of civil war, are certain and very great; the gains to be achieved by victory are problematical. In the course of a desperate struggle, the heritage of civilization is likely to be lost, while hatred, suspicion, and cruelty become normal in the relations of human beings” ከምዝበሎ ህድኣታ ዘይወነነት ትግራይ ናብ መዓተ ኣርማጌዶን ምብፃሓ ኣይክተርፍን።
ዕዮ ደንበ ብሄራዊነት!
ንዝሓለፈ ኽልተ ዓመት፡ ንስልታዊ ረብሓ ክበሃል ተፈላልዩ ዝነበረ ብውድባትን ብውልቀሰባትን ዝውከል ደንበ ብሄራዊነት ትግራይ ናብ ሓደ ክመፅእ ግድን ኣብ ዝብለሉ እውን ይርከብ። ንመዋፅኦ ዝኸውን ‘ዝተጠነሰ ግን ክውለድ ዘይኸኣለ’ ሓሳብ እምበር ብረት ዘይብሉ እዚ ደንበ፡ ናብ ሓደ ኣብ ምምፅኡ ዛጊድ ብሕታዊ ዕጥቁ ንዝኾነ ብልጫ ሓሳቡ ብርተዐን ተሰማዕነትን ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ፡ ኣብ ድንፃወን ደንገርገርን(ኣብ ዘመነ ሽግግር) ዘሎ ህዝቢ ኣብ ጎኑ ኣኪቡ ንትግራይ ሓዱሽ ስርዒት ናይ ምውላድ ዕድል ክፈጥር ይኽእል። ድሕነት ትግራይ ንምርግጋፅ ብሳልሳይ ወያነ ትግራይን ብብዙሓት ግዱሳት ብሄራውያንን ናብ ዝቐረበ ፃውዒት ብሄራዊ ጉባኤ ክመርሕ ድማ ይኽእል። ሓያሎ ፅልዋ ምስ ዘለዎም ሓይልታት ደገ(ብፍላይ ኣሁጉራውን ዓለምለኸዊን) ኣብ ዝህልው ረኽቢ ዝተበታተነ እንተይኾነስ ዝተኣከበን ምእኹልነት ዘለዎን ደንበ ተሰማዒ ምዃኑ ምርዳእ ድማ የድሊ።
ደንበ ብሄራዊነት ክንዮ ናብ ሓደ ምምፅኡ፡ ዝህልውዎ ፈተናታት ብዙሓትን ተደጋጊሙ ዝተገለፀን ዋላ እንተኾነ፡ መብዛሕቲኡ ክፋል እዚ ደንበ ኣካል ፖለቲካ ሸቐጥ ዘይምዃኑ ከም ፀጋ ዝውሰደሉ እዩ። ብውድብን ብውልቀሳባትን ዝግለፅ ብሄራዊ ደንበ ትግራይ፡ ኣብ ዓለም ተፈቲኖም ንዝፈሸሉን ንፖለቲካ ሸቐጥ ምሽዋት ካብ ዝኾኑን ፖለቲካዊ ስርዒት ሃፀያዊነት(Empire) ይኹን ካብ ዓሌታዊ/ኸባብያዊ ፖለቲካዊ ስርዒት(Tribal Order) ዝረሓቐን፡ ስርዒት ሃገረ ብሄረ መንግስቲን ትካላቱን ንምህናፅ ዝጥምት ምዃኑ፡ ትግራይ ካብ መዓተ ፖለቲካ ሸቐጥ ዘድሕን ሓሳበ-ፀጋ ዝተሰከመ እዩ ምባል እውን ይከኣል።
ቀርኒ ኣፍሪካ፡ ኹናት ካብ ዘይዛርየሎም፣ ገበናት ኹናትን ዘርኢ ምጥፋእን ነነሻዕ ካብ ዝመላለሰሎም ከባቢታት ዓለም ውሽጢ ኣብ ቅድሚት ይስራዕ። ኣይኾነን ዶ ፖለቲካ ሸቐጥ ኣብ ዝገንገነሉ ኩነት፡ ንፁር ሓሳብ ዝተሰከሙ ትካላትን ብርቱዕ ቁጠባን ሃኒፅኻ እውን ፈተንኡ ኸቢድ እዩ። ፅንተት ኣብ ቀረባ ዝተፈፀሞ ብሄረ ትግራይ ገጢምዋ ዝኒሀ ሓያሎ ፈተና ከምቲ ልሙድ ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ዝፍልፍል ኾይኑ፡ እቲ ውሽጣዊ ካብ ዕብለላ ፖለቲካ ሸቐጥ ምዃኑ እንትንግንዘብ፡ ፅላሎት ዳግማይ ኹናትን መሊእኻ ጥፍኣትን ኣብ ቀረባና ከምዘለው ንርዳእ።
‘ተስፋ ኣብ ዘይረአሉ ኩነት እውን ተስፋ ምግባር ግድን እዩ’ ዝብል ብሂልን ቁውም-ነገርን ብምእማን ህድኣትን ምልሰት ደንበ ብሄራዊነትን ንመዋፅኦ ትግራይ ዝኾኑ ሓሳበ-ተግባራት ንምውላድ ኣብ ዝግበር ሓያሎ ቃልሲ ከም ፈላማይ ስድሪን መእተዊ በሪን ክኾኑ ድማ ተስፋ ይገብር።
Editor’s Note: The opinions expressed in the articles published on UMD Media are solely those of the individual authors and do not necessarily reflect the views or opinions of the editorial team or UMD Media as an organization. The publication of any opinion piece does not imply endorsement or agreement by UMD Media. Readers are encouraged to critically evaluate the content and form their own conclusions. Leave your comments below. Send us your thoughts and reflections to umd.media.2020 at gmail dot com.
Subscribe to UMD Media channel. Join UMD Media Telegram Channel: https://t.me/UMDMedia
Guidelines for contributors All contributions and comments submitted to UMD Media must adhere to the following guidelines. Respectful Language: Avoid using ethnic adjectives that generalize or portray an entire ethnic group in a negative light. Such language is harmful, divisive, and contrary to our commitment to fostering a respectful and inclusive environment. No Incitement: Content that incites hatred, violence, or discrimination against any individual or group based on ethnicity, race, religion, etc will not be tolerated. Constructive Dialogue: We encourage constructive dialogue and the sharing of diverse perspectives. However, it is essential to express opinions in a manner that respects the dignity and humanity of all individuals and groups. Moderation and Enforcement: Our editorial team reserves the right to moderate and, if necessary, remove any content that violates these guidelines. Repeat offenders may be subject to account suspension or banning. By contributing to our platform, you agree to abide by these guidelines and help us maintain a respectful and inclusive community.
Add comment