—————————————————————————-

Translated by BK Brook.

ትሕዝቶ

መእተዊ

ዓንቀፅ 1 — ሽቶታት

ዓንቀፅ 2 — ንዘላቒ ተፃብኦ ደው ምባል ሰረት ዝኾኑ መትከላት

ዓንቀፅ 3 — ብዘላቕነት ተፃብኦታት ደው ምባል

ዓንቀፅ 4 — ንስቪልያን ፅላል ምዃን

ዓንቀፅ 5 — ሰብኣዊ ሓገዝ መእተዊ

ዓንቀፅ 6 — ዕጥቂ ምፍታሕ፣ ምስንባት፣ ዳግመ-ፅንበራ

ዓንቀፅ 7 — እምነት መሕደርቲ ስጉምቲታት

1. ህወሓት

2. መንግስቲ ኢትዮጵያ

ዓንቀፅ 8 — ዓለም ለኻዊ ዶባትን ፌደራላዊ መሳለጥያታትን

ዓንቀፅ 9 — ፌደራላዊ ስልጣን ናብ ክልል ትግራይ ምምላስን ኣብ ፌደራላዊ ትካላት ውክልና ምርካብን

ዓንቀፅ 10 — ናይ ሽግግር ስጉምቲታት

ዓንቀፅ 11 — ምቁፅፃር፣ ምርግጋፅ፣ ቃል ምኽባር

ዓንቀፅ 12 — ብእምነት ምፍፃም.

ዓንቀፅ 13 — ናይ ሓባር መግለፂን ርክባትን

ዓንቀፅ 14 — ዝትግበረሉ ዕለት

ዓንቀፅ 15 — ምአረምታ ነዚ ስምምዕነት.

መእተዊ

*******

# ብNovember 3, 2020 ኣብ ክልል ትግራይ ዝነቶገ ተራፅሚ ግጭት፣ ምስ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝቃዶ መልክዕ በሰላም ንምፍታሕ ምስምዕማዕ።

# ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ኣካላት ዝተገበረ ግጭት፣ ኣብ ህይወትን ናብራን ደቂ ሰባት ንዘምፀኦ ኣዕናዊ ሳዕቤን ኣፍልጦ ምሃብ።

# ናይ ፖለቲካ ፀገም ብዘላቕነት ዝፍታሕ፣ ብፖለቲካዊ መንግዲ ጥራሕ ምዃኑ ምርግጋፅ።

# ኽልቲኦም ወገናት፣ “ጠበንጃ ምእባድ” ንዝብል ንናይ 2030 ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ኣጀንዳ፣ ንናይ ኣፍሪካ ፀገም ናይ ኣፍሪካ ፍታሕ ምስ ዝብል መንፈስ ብዝቃዶ መልክዕ፣ ንዝኣተዉዎ መፅባዓ መሊሶም ቃል ምእታው።

# ኣብ ክልል ትግራይ  ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናብ ዝነበሮ ምምላስ ሓዊሱ፣ ነዚ ግጭት ዘላቒን ሰፊሕን ፍታሕ ንምእላሽ ምውሳን።

# ቀዋሚ ተፃብኦ ደው ኣብ ምባልን፣ ንናይ ፖለቲካ ኣፋላላያትን ክትዓትን ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዘኽእል ቅጥዓዊ ኣካይዳ ከም ዘድሊ ኣብ ስምምዕነት ምብፃሕ።

# ብናይ ቀዋሚ ተፃብኦ ደው ምባል ቅጥዒ፣  ነዚ ቕልውላው፣ ሰላማዊን ዘላቒን ዝኾነ ፍታሕ ኣብ ምእላሽ ምውሳን። እዙይ ከም ዝኽበር ዝቋፃፀሩን ዝምስክሩን ኣሰራርሓታት እውን ክቕመጡ እዮም። 

# ነዚ ቅልውላው ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ፣ ብናይ ሕሉፍ ፕሬዝዳንት ናይጄርያ ክቡር Olusegun Obasanjo ዝተመርሐ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ገርዚ፣ ብናይ ሕሉፍ ፕሬዝዳንት ኬንያ ክቡር Uhuru Kenyatta ን ብናይ ሕልፍቲ ምክትል ፕሬዝዳንት ደቡብ ኣፍሪቃ ክብርቲ Phumzile Mlambo-Ngcuka ዝተገበረ ሓገዝን ፃዕሪን ኣፍልጦ ይህብ። ብተወሳኺ፣ ነዚ ናይ ሰላም ዘተ ብምትእንጋዱ ንመንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ነቶም ተዓዘብቲ እውን ኣፍልጦ ይህብ።

# ኣብ ፍትሒ፣ መዓርነት፣ ሰብኣዊ መሰለን ሕጊ ምኽብራን ዝተደረኸ፣ ንኹሉ ኣብ ዝሓቁፍ ዲሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ ውሽጢ፣  ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሰላምን ብኽብሪን ናይ ምንባር ድልየት ከም ዘለዎ ኣብ ግምት ምእታው።

ዓንቀፅ 1 — ሽቶታት

*******

ናይ እዚ ስምምዕነት ሽቶታት ዝስዕቡ እዮም:

1. ጠበንጃ ኣብ ምእባድን ምቹእ ሃዋህው ኣብ ምፍጣርን ዝጠመተ፣ ንዘላቒ ሰላም ሰረት ዝኸውን፣ ቕልጡፉን ቀዋሚን ተፃብኦ ደው ምባል ኽብፃሕ።

2. ብግጭት ምኽንያት፣ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ተቛሪፁ ዝነበረ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናብ ዝነበሮ ምምላስ።

3. ናይ ፖለቲካ ኣፋላላይ ብጎንፂ ምፍታሕ ዝባሃል ነገር ምንፃግ።

4. ድሕንነት ንኹሉ ምውሓስ።

5. ኣብ ጉዳይ እዚ ግጭት ዘላቂ ስምምዕነት ምብፃሕ። 

6. ምስ’ዚ ግጭት ተታሓሒዞም ንዝመፁ ጉዳያት ዝፍትሑሎም ኣግባብ ምፍጣር።

7. ምስ’ዚ ግጭት ተታሓሒዞም ንዝመፁ ጉዳያት ተሓታትነት ዝህልወሉ ቅጥዒ ምሃብ።

8.  ማሕበራዊ ምትእስሳር ዝህደሱሎምን ዕርቂ ዝወርደሉን ሃዋህው ምንባይ።

9.  ኢኮኖሚያዊ ሕውየትን ዳግማይ ህንፀትን ምስላጥ።

10. መሰረታዊ ናይ ፖለቲካ ኣፋላላያት ንምፍታሕ ቃል ምእታው።

11. እዚ ስምምዕነት ከም ዝትግበር ንምቁፅፃርን ንምምስካርን ዘኽእል ኣግባብ ምፍጣር።

ዓንቀፅ 2 — ንዘላቒ ተፃብኦ ደው ምባል ሰረት ዝኾኑ መትከላት

****************

ኽልቲኦም ወገናት ብዝስዕቡ መትከላት ክምርሑ እዮም:

a. ናይ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት፣ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሓድነትን ምኽባር።

b. ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሰፈሩ ሕገ መንግስታዊ መትከላትን ኣግባባትን ሕጋዊነቶም ኣፍልጦ ምሃብን ምኽባርን።

c. ንመሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባትን ንዲሞክራሲያዊ ኣግባባትን መትከላትን ኽብሪ ምሃብ።

d. ኣብ ወታህደራዊ ሞያ ንዘየለዉ ዜጋታት ምፅላል።

e. ኣብ ዲሞክራሲ፣ መረፃን ኣገዛዝኣን ዘሎ ናይ ኣፍሪካ ቅዋም ምኽባር። 

f. ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሕገ መንግስቲን ናይ ኣፍሪካ ግዚያዊን ፍትሒን ፖሊሲ ዝሳነ ተሓታቲነትን ፍትሒን።

g. ሓገዝ ንዝደልዮም ኹሎም፣ ዓንቀፍቀፍ ዘይብሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብፃሕ።

h. ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ንሰብኣዊ ዓላማ ጥራሕ ምውዓል።

i.  ዕርቂን ተሃድሶን ።

j. ረዲኤትን ዳግማይ ህንፀትን።

k. ተፃብኦ ድው ምባልን ስዒቦም ንዝመፁ ናይ ሰላም ምዕራፋትን ንምትግባር ብተኣማኒነት መፅባዓ ምእታው።

ዓንቀፅ 3 — ብዘላቕነት ተፃብኦታት ደው ምባል

****************

ኽልቲኦም ወገናት ብዝስዕቡ መትከላት ክምርሑ እዮም:

1. ኽልቲኦም ወገናት፣ ህፁፅን ዘላቒን ተፃብኦ ደው ንምባል፣ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅሮም ንዘለዉ ሓይልታት ወይ ድማ ዕጡቓት ንጥፈታቶም ደው ንኸብሉ ከም ዝገብሩ ክእውጁን ክማፃብዑን ኣለዎም።

2. ካልኦት ተወሰኽቲ ነገራት ከም ዘለዉ ኾይኖም፣ እዙይ ናይ ኹሉ ዓይነት ዝላቒ ተፃብኦ ደው ምባል ነዚኣቶም የጠቓልል: ብሰላሕታ ይኹን ብግልፂ ዝግበሩ ጎንፂታት ደው ምባል; ፈንጂ ምቕባር; ሸርሒ; ደብዳብ ኣየር; ቀጥታ ይኹኑ ተዛዋዋሪ ጎንፂታት; ነቲ ኻልእ ወገን ንምንዋፅ ብምሕሳብ ምሕንኳልን ወኪላት ምጥቃምን ወይ ድማ ነቲ ኻልእ ወገን ተፅባኢ ምስ ዝኾኑ ግዳማዊ ሓይልታት ልፍንቲ ምፍጣር ደው ክብሉ ኣለዎም። 

3. ናይ ኹሉ ዓይነት ዝላቒ ተፃብኦ ደው ምባል ነዚኣቶም የጠቓልል: ፕሮፓጋንዳ; ጣቋ መደረ ; ናይ ፅላኣት ዘረባ።

4. እቲ ዝላቒ ተፃብኦ ደው ምባል፣ ኣብ ክልል ትግራይ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናብ ዝነበሮ ንኽምለስን ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ወገናት ፖለቲካዊ ዘተ ንምግባርን መንገዲ ክኸፍት እዩ።

5. ኣብቲ ክልል ህዝባዊ ግልጋሎት ንምምላስ ዝምቹእ ሃዋህው ንምፍጣርን ነቶም ነበርቲ ከተማ ድሕንነቶም ምንርግጋፅን፣ ናይ ፌደራል ሓይልታት ናብ መቐለ ንኽምለሱ ኽልቲኦም ወገናት ተስማዕሚዖም እዮም። እዙይ ማለት፣ መከላከያን ኻልኦት ነቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ናይ ፌደራል ትካላትን ቕልጡፍ፣ ዓንቀፍቀፍ ዘይብሉ፣ ሰላማዊን ዝተዋደደን ምእታው ናብ መቐለ ክገብሩ እዮም። እዙይ ድማ፣ ብዓንቀፅ 6(c) መሰረት፣ ናይ ኽልቲኦም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ብዝገብሩዎ ኽፉት ናይ ርክብ መስመር ዝሳለጥ እዩ።

ዓንቀፅ 4 — ንስቪልያን ፅላል ምዃን

**********

1. ኽልቲኦም ወገናት ናይ ሲቪልያን ነበርቲ ሰብኣዊ መስላት ክሕልዉን፣ ኢትያጵያ ኣብል ዝኾነትሉ ናይ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ከኽብሩን ኣለዎም።

2. ኽልቲኦም ወገናት፣ ብፍላይ ወሲባዊን ፆታዊን ጥቕዓታት፣ ኣብ ዕሸላትን ኣዋልድን ደቂ-ኣንስትዮን ኣረግቶትን ዝግበር ጥቕዓት፣ ናይ ቖልዑ ወታህደራት ዕስከራን ታዕሊምን ክኹንኑዎ ኣለዎም። ስድራታት መሊሶም ክራኸቡ እውን ክገብሩ ኣለዎም።

ዓንቀፅ 5 — ሰብኣዊ ሓገዝ መእተዊ

*********

1. መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ስብኣዊ ሓገዝ ዋሃብቲ ትካላት ብምትሕብባር፣ ንደቂ ኣንስትዮ ህፅውንትን ኣረግቶትን ሓዊሱ ናቶም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት ፀገም ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዕ ብቕልጡፍ ሰብኣዊ ርዳእታ ከቕርብ እዩ። እዙይ ክኾን ምእንቲ ድማ፣ ናይ ኽልቲኦም ወገናት ምትሕግ ጋዝ ከድልዪ እዩ። 

2. ኽልቲኦም ወገናት፣ ባዕሎም ንባዕሎምን ምስ እዚ ጉዳይ ርክብ ምስ ዘለዎም ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዋሃብቲ ትካላትን ብምትሕግጋዝ፣ ስድራታት መሊሶም ንኽራኸቡ ክገብሩ እዮም።

3. ናይ ፅጥታ ጉድይ ብዝፈቐዶ ኣጋጣሚ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንናይ ውሽጢ ዓዲ ተማዛበልቲን ስደተኛታትን ናብ ቦተኦም ናይ ምምላስን ናይ ዳግም ፅንበራን ስራሕቲ ክስርሕ እዩ።

4. ሰብኣዊ ሓገዝ ንሰብኣዊ ዓላም ንኽ ውዕል፣ ኽልቲኦ ወገናት ውሕስነት ክህቡ እዮም።

ዓንቀፅ 6 — ዕጥቂ ምፍታሕ፣ ምስንባት፣ ዳግመ-ፅንበራ

*****************

ኽልቲኦም ወገናት:

a. ኢትዮጵያ ሓደ ሓይሊ ምክልኻል ጥራሕ ከም ዘለዋ ኣፍልጦ ሂቦምን ተስማዕሚዖምን እዮም።  

b. ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሕገ መንግስቲ ብዝሳነ መልክዕ፣ ናይ ህወሓት ተዋጋእቲ ዕጥቂ ዝፈትሑሉ ዝሳናበቱሉን ዳግመ-ፅንበራ ዝገብሩሉን ሰፊሕ ንድፊ ኣውፂኦም ክፍፅሙዎ ተስማዕሚዖምን እዮም።

c. እዚ ስምምዕነት ብዝተፈረመ ብ 24 ሳዓታት ውሽጢ፣ ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ኽልቲኦም ወገናት ኽፉት ናይ ርክብ መስመር ክጣየሽ ተስማዕሚዖምን እዮም።

d. እዚ ስምምዕነት ብዝተፈረመ ብ 5 መዓልታት ውሽጢ፣ ናይ ህወሓት ተዋጋእቲ ዕጥቂ ዝፈትሑሉ ዝርዝርን ቅጥዒን ንምምይያጥን ንምውሳንን፣ ናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኣኼባ ንኽግበር ተስማዕሚዖም እዮም።

e. ናይ ኽልቲኦም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ብዘውፅኡዎ ዝርዝርን ናይ ግዜ ሰሌዳን መሰረት፣ ናይ ህወሓት ትዋጋእቲ ዝውንኑዎም ዓበይቲ ኣፅዋራት ናይ ምፍታሕ ስራሕ ብቕልጡፍ ክገበር ተስማዕሚዖም እዮም። እቲ ናይ ግዜ ሰሌዳ ዝወፃሉ ኣፅዋር ምፍታሕ፣ ላዕለዎት ኣዘዚት ኣኼበኦም ካብ ዝወድኡ ዕለት ጀሚሩ፣ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ይዛዘም። እቲ ናይ ዓሰርተ ማዓልታት ግዜ ገደብ፣ ብናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ለበዋን ብኽልቲኦም ወገናት ይሁንታን ክናዋሕ ይኽእል እዩ።  

f.  ቕለልቲ ኣፅዋራት ሓዊሱ፣ ናይ ህወሓት ተዋጋእቲ ጠቕላላ ዕጥቂ ናይ ምፍትሕ ስራሕ፣ እዚ ስምምዕነት ብዝተፈረም ብ 30 ማዓልታት ንኽጣናቐቕ ተስማዕሚዖም እዮም።

g. እቲ ናይ ምስንባትን ዳግመ–ፅንበራን ውጥን፣ ናይ ክልል ትግራይ ናይ ፅጥታ ድልየት ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዕ ከም ዝኾን ተስማዕሚዖም እዮም።

ዓንቀፅ 7 — እምነት መሕደርቲ ስጉምቲታት

*************

1. ህወሓት:

a. ናይ ፌደራል መንግስቲ ሕገ መንግስታዊ በዓል መዚነት፣ ናይ ፌደራል መንግስቲ ኹላትሞ ኣካላት፣ ናይ እታ ሃገር ስራሕ መሳለጢታትን ትካላትን ዓለም ለኻዊ ዶባትን ምቁፅፃር፣  ናይ ፌድራል መንግስቲ ስልጣን ነዚኣቶም ዘጠቓልል ግን በዚኦም ዘይተወሰነ ምዃኑ ከኽብር።  

b. ኣብታ ዓዲ ን ዘሎ ዝኾነ ይኹን ዕጡቅ ወይ ድማ ሓንኳሊ ጉጅለ፣ ካብ ምሕጋዝ ካብ ምድጋፍ ካብ ምትሕብባር ክቑጠብ።

c. ሕገ መንግስቲን ሕግታትን ስርዓትን ዝሃቡዎም ገዴታታት ንኽፍፃሙ ምእንቲ፣ ፌደራል መንግስቲ ንመከላኽሊ ሓይሊ ንፌደራል ድሕንነትን ንፈዴራል ፖሊሳትን ናይ ምውፋር ሕገ መንግስታዊ ስልጣን ከም ዘለዎ ከኽብር።

d. ካብ ምዕስካር፣ ካብ ምዕላም፣ ካብ ምውፋር፣ ካብ ምኽታት፣ ንጎንፂን ተፃብኦን ካብ ምድላው ኽቑጠብ። 

e. ምስ ግዳማዊ ሓይልታት ዘይሕገመንግስታዊ መልእኽቲ ምልእእኣኽን ርክብ ምፍጣርን ሓዊሱ፣ ናይ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ዘድክም ተግባር ደው ከብል።

f. ዘይሕገመንግስታዊ ናይ መንግስቲ ልውጢ ፈተነታት ደው ከብል።

2. መንግስቲ ኢትዮጵያ:

a. ንናይ ህወሓት ተዋጋእቲ ዝዓለመ ወታህደራዊ መጥቃዕቲ ምግባር ደው ከብል።

b. ብዝተስማዕምዑሉ ናይ ግዜ ገደብ ውሽጢ፣ መሰረታዊ ግልጋሎት ናብ ክልል ትግራይ ንምምላስ ከመዓራርይን ከሳልጥን።  

c. ባናይ ህዝቢ ተወከልቲ ቦይቶ፣ ንህወሓት ዝተውሃቦ ኣሽባሪ ዝብል ሽም ክላዓል ከማቻችው።

d. ኣብ ክልል ትግራይን ኣብ ካልኦት ዝተጎድኡ ቦታታትን ንዘለዎ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት፣ ብቕልጡፍ ሓገዝ ክበፅሖም ምውፋርን ዓንቀፍቀፍ ዘይብሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ክገብር።

ዓንቀፅ 8 — ዓለም ለኻዊ ዶባትን ፌደራላዊ መሳለጥያታትን

*************

1. መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዓለም ለኻዊ ዶባት ኢትዮጵያ ክሰፍር/ክዋፈር እዩ።

2. መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ሉኣላዊነት ግዝኣታዊ ሙሉእነትን ድሕንነትን እታ ሃገር፣ ካብ ግዳማውያን ሓይልታት ንዝግበር ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ክካላኸለላ እዩ። ካብ ክልቲኡ ሽነኽ እቲ ዶብ ድማ፣ ምትኹታኽን ሃንደበታዊ መጥቃዕትን ኣይክህሉን።

ዓንቀፅ 9 — ፌደራላዊ ስልጣን ናብ ክልል ትግራይ ምምላስን ኣብ ፌደራላዊ ትካላት ውክልና ምርካብን

******************

1. ምቁፅፃር ፌደራላዊ ትካላትን ምምሕዳራትን ሓዊሱ፣ ፌደራላዊ ስልጣን ናብ ክልል ትግራይ ንኽምለስ ኽልቲኦም ወገናት ተስማዕሚዖም እዮም።

2. ምስ ሕገ መንግስቲን ተፈፃሚነት ምስ ዘለዎም ሕግታትን ብዝሳነ መልክዕ፣ ኣብ ፌደሬሽን ቤት ምኽሪን ኣብ ተወከልቲ ህዝቢ ቤት ምኽሪን ሓዊሱ፣ ክልል ትግራይ ውክልና ንኽህልዋ፣ ፌደራል መንግስቲ ከሳልጥን ከረጋግፅን እዩ።

ዓንቀፅ 10 — ናይ ሽግግር ስጉምቲታት

************

1. ዓንቀፅ 7(2)(c) ምስ ተተግበረ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፣ ብኢትዮጵያ ምርጫ ቦርድ ኣቢሉ ናይ ክልል ቤት ምኽሪን ናይ ተወከልቲ ህዝቢ ቤት ምኽሪን መረፃ እስካብ ዝግበር፣ ብኽልቲኦም ወገናት ብዝግበር ምይይጥ፣ ንኹሉ ዝሓቖፈ ክልላዊ  ሽግግር መንግስቲ  ክጣየሽ እዩ።

2. ዓንቀፅ 7(2)(c) ምስ ተተግበረ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፣ ኽልቲኦም ወገናት  ፖለቲካዊ ኣፋላላዮም ንምፍታሕ ዘኽእሎም ፖለቲካዊ ዘተ ክጅምሩ እዮም።

3. ምስ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ሽግግር ፍትሒ ፖሊሲን ብዝሳነ መልክዕ፣ ኣብ ተሓታቲነት፣ ኣብ ምፅራይ ሓቂ፣ ንግዳያት ፍትሒ ኣብ ምሃብ፣ ኣብ ዕርቂን ሕውየትን ዝተደረኸ መጠነ ሰፊሕ ናይ ሽግግር ፍትሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክገብር እዩ። ብህዝባዊ ኣኼባታትን ብስሩዕ ብሔራዊ ፖሊሲ ኣካይዳን ኣቢሉ፣ ካብ ኹሎም መዳርግቲታት ካብ ስቪል ማሕበረሰብ ብዝርከብ እቶት እዚ ናይ ሽግግር ፍትሒ ክቕረፅ እዩ።

4. ጉዳይ ዘጫቓጭቑ መሬታት፣ ምስ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝሳነ መልክዕ ክፍትሑ ኽልቲኦም ወገናት ቃል ኣትዮም እዮም።

ዓንቀፅ 11 — ምቁፅፃር፣ ምርግጋፅ፣ ቃል ምኽባር

**************

1. እዚ ዘላቒ ተፃብኦ ደው ምባል ውፅኢታዊ ብዝኾነ መልክዕ ይትግበር ከም ዘሎ ንምቁፅፃር ንምርግጋፅ ቃል ንምኽባር ዘኽእሉ ኣግባባት ከቑሙ ኽልቲኦም ወገናት ተስማዕሚዖም እዮም። ነዚ ኣመልኪቱ፣ ካብ ኽልቲኦም ወገንን ካብ ኢጋድን ተወከልቲ ዘለዉዎን ብሕብረት ኣፍሪካ ላዕለዋይ ገርዚ ዝምራሕ ናይ ጥምረት ኮሚቴ ንምጥያሽ፣ ኽልቲኦም ወገናት ተስማዕሚዖም እዮም።

2. ሕብረት ኣፍሪቃ ብላዕለዋይ ገርዚ ኣቢሉ፣ እዚ ዘላቒ ተፃብኦ ደው ምባል ብስምምዕነት ዓንቀፅ 3 መሰረት ይትግበር ምህላዉ ዝቋፃፀር ናይ ኣፍሪቃ ናይ ኽኢላታት ጋንታ ክምድብ እዩ።

3. ሕብረት ኣፍሪቃ ብላዕለዋይ ገርዚ ኣቢሉ፣ ብዛዕባ እዞም ዓውድታትን ድሕረባይታ ናይቶ ኽኢላታትን ንኽልቲኦም ወገናት ከማኽሮም እዩ።

4. ወታህደራዊ ድሕረባይታ ዘለዎም ሓዊሱ፣ ናይ እቶም ኽኢላታት ንፁር ዕዮ እንታይ ከም ዝኾነ፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ገርዚ ኣቢሉ ኽልቲኦም ወገናት ክስማዕምዑሎም እዮም።

5. ናይ እቶም ኽኢላታት ቑፅሪ ካብ ዓሰርተ (10) ክልዕል የብሉን። ተወሳኺ ኽኢላ ተድልዩ፣ ኽልቲኦም ወገናት ክሳማምዑ ኣለዎም።

6. ስልጣን ናይ እዞም ኽኢላታት፣ ካብ ዝተዋፈሩሉ ዕለት ኣትሒዙ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ዝፀንሕ እዩ። እዚ ናይ ግዜ ገደብ፣ ብስምምዕ ኽልቲኦም ወገናት ክናዋሕ ይኽእል እዩ።

7. ሕብረት ኣፍሪቃ ብላዕለዋይ ገርዚ ኣቢሉን ብስምምዕ ኽልቲኦም ወገናትን፣ ንናይ እዞም ኽኢላታት ስራሕ ብናይ ሳተላይት ምስሊታት ክሕግዝ እዩ።

8. እዙይ ናይ ኽኢላታት ጋንታ፣ ነቲ ተፃብኦ ደው ምባል ዝጥሕሱ ኣብነታት ክረክብ ኸሎ፣ እቲ ዝምልከቶ ኣካል ነዚ ጥሕሰት ብቕልጡፍ ክእርሞ ከፍልጦ ኣለዎ።

9. ነቲ ኻልእ ወገንን ነቲ ናይ ጥምረት ኮሚቴን እውን ከፍልጦም ኣለዎ። እቲ ጥሕሰት ብ 24 ሳዓታት ውሽጢ ተዘይተኣሪሙ፣ እቲ ናይ ጥምረት ኮሚቴ ነዚ ጥሕሰት ፍታሕ ክገብረሉ ምእንቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ብላዕለዋይ ገርዚ ኣቢሉ ኣኼባ ክፅውዕ እዩ።

ዓንቀፅ 12 — ብእምነት ምፍፃም

*********

1. ነዚ ስምምዕነት ብእምነት ክትግብሩን ምስ እዚ ተፃብኦ ደው ምባል ዘይሳነን ዘድክሞን ተግባር ካብ ምፍፃምን ንክቑጠቡ፣ ኽልቲኦም ወገናት ተስማዕሚዖም እዮም።

2. ኽልቲኦም ወገናት፣ ሽቶ ናይ እዚ ተፃብኦ ደው ምባል ከጋውሑ እዮም።

ዓንቀፅ 13 — ናይ ሓባር መግለፂን ርክባትን

*************

1. ብዛዕባ ኣድላይነት እዚ ስምምዕነትን፣ ንሰላም ንርግኣትን እዛ ሃገር ንኽሰርሑ ዝኣተዉዎ ናይ ሓባር ቃልን፣ ኽልቲኦም ወገናት ናይ ሓባር መግለፂ ክህቡ እዮም።

2. ብዝኾነ ዓይነት መልክዕ፣ ነዚ ስምምዕነት ከዳኽም ዝኽእል በይናዊ መግለፂ ንከይህቡ ኽልቲኦም ወገናት ቃል ኣትዮም እዮም።

3. ብዝኾነ ዓይነት መልክዕ ብኽልቲኦም ወገናት ዝግበሩ ኹሎም ዕላዊ መግለፂታት፣ ነዚ ስምምዕነት ዝድግፉን ንኽትግበሩ ምእንቲ ባይታ ዘማቻችዉን እዮም።

ዓንቀፅ 14 — ዝትግበረሉ ዕለት

*********

ብናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቆፃፅራ ሳዓት 00:00፣ November 3rd, 2022፣ እዚ ስምምዕነት ኣብ ተግባር ይውዕል።

ዓንቀፅ 15 — ምአረምታ ነዚ ስምምዕነት

************

ብናይ ኽልቲኦም ወገናት ብዝተፃሕፈን ዝተፈረመን ይሁንታ፣ እዚ ስምምዕነት ክእረም ይኽእል እዩ።

ብዕለት Novembre 2nd, 2022፣ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ተፈፀመ።”

—-

Translated by BK Brook.

UMD Media

View all posts