ለካቲት 2015 መቐለ: ትግራይ

ክፍሊ ሓደ

ፍኖተካርታ (Road Map) ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ መእተዊ

1. ግዝያዊ መንግስቲ፡ እንታይነት፣ ኣድላይነት፣ ኣቀዋውማን ሓላፍነትን

1.1.       እንታይነት ግዝያዊ መንግስቲ

ኣብ ዓለምና ሃገራት ዘጋጠመን ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ሰብኣዊን ዝኣመሰሉን መሰረታዊ ቅልውላዋት ንምፍታሕ ወይ ድማ እዞም ቅልውላዋት ዝወለድዎም፡ ከም ሕገ-መንግስታዊ ቅልውላው (Constitutional Crisis) ወይ ድማ መንግስታዊ ቅልውላው (Governmental Crisis) ዝኣመሰሉ ፀገማት ስዒቡ መሰረታዊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ለውጢ (Political Reform) ክትግበር ዘኽእል ሓዱሽ ሕጋዊን ትካላዊን መስርሕ ከተግብራ ምርኣይ ዝተለመደ እዩ፡፡ እዚ ድማ መስርሕ ዝተፈላለዩ መልክዓትን ዓውዲን ክህልዎ ዝኽእል ኮይኑ፡ ብኣብዝሓ ናይ ስግግር ስርዓት (Transitional systems) ብዝብል ይግለፅ፡፡ ብመሰረት እዚ ናይ ስግግር ስርዓት ኣቢሉ፡ ናይ ስግግር መንግስቲ ዝጣየሽ ኮይኑ፤ ቅድሚ ምጥያሽ ስግግር መንግስቲ ግና እቲ ዝነበረ መንግስቲ ካብ ዝፈረሰሉ ግዘ ጀሚሩ ዝፍጠር ሕጋዊን ፖለቲካዊን ሓጓፍ (Political Rift) ንምምላእ ኣብ ሞንጎኡ ዝትግበር ወሳናይ መድረኽ ኣሎ፡፡ እዚ መድረኽ ኣብ መንጎ በቶም ዝተጠቐሱ መልዓሊ ምኽንያታት ኣቢሉ እቲ ዝነበረ መንግስቲ ዝፈረሰሉን ፀኒሑ ዝጣየሽ ስግግር መንግስቲን ዝህሉ ግዘ፡ መሰረታዊን መዓልታዊን ንጥፈታት መንግስቲ ዝፍፅም ትካላዊ መስርሕ ኮይኑ ብዙሕ ግዘ ግዝያዊ መንግስቲ ወይ ምሕደራ (Interim Government/Administration) ተባሂሉ ድማ ይፍለጥ፡፡ ናይ ቀረባ ተሞክሮታት ተወሲድና ሱዳን (2019)፣ ፓኪስታን (2018)፣ ሃይቲ (2018) ዝኣመሰላ ሃገራት ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ እዋናት ቅልውላውን ኣገደስቲ መድረኻት ለውጢን ከም ኣዝዩ ወሳኒ ድልድል ወይ ድማ መረጋግዒ መስርሕ ኮይኑ ኣገልጊልወን እዩ፡፡

ኣብ ጉዳይ ስግግርን ፖለቲካዊ ለውጥታትን ጠሚቱ ዝሰርሕ ኢንስቲትዩት ንዝተወሃሃደ ስግግር (Institute For Integrated Transitions- IFIT) ዝተብሃለ ትካል “ግዝያዊ መንግስቲ ማለት ንዝተወሰነ ግዘን ብግልፂ ንዝተወሰነ ሓላፍነትን ዝቐውም ኾይኑ፡ ስሩዕ መንግስቲ ብመረፃ ኣቢሉ ክሳብ ዝጣየሽ መንግስታዊ ስራሕቲ ንክውግን ካብ ዝተመለደ ወፃእ ፍሉይ ሓላፍነት ዝተውሃቦን ብፍሉይ ንዝተወሰነ ግዘ ዝፀንሕን ወግዓዊ መንግስቲ” እዩ ክብል ብ2020 ኣ.ፈ ኣብ ዘውፀኦ ፅሑፉ ይገልፆ፡፡

ግዝያዊ ናይ ስግግር መስርሕ፡ ብምኽንያት ፖለቲካዊ ወይ ድማ ካሊእ ሓይሊ ዝተመልኦ ጎነፅ ዝፍጠር ቅልውላው ስዒቡ፡ ምእንተ ናብ ዝሓሸ ሰላማዊ፣ ሓቛፋይን ዴሞክራስያዊን መንግስቲ ንምስጋር ክከኣል ኣብ መንጎ ንዝተፈጠረ መንግስታዊ ሓጓፍ ወይ ድማ ክፍተት ከም መሰጋገሪ ድልድል ኮይኑ ዘግልግል ትካላዊ መስርሕ እዩ፡፡ ካብቲ ዝነበረ ናብ ዝሓሸን ቀፂሉ ዝጣየሽን መስርሕ መንግስቲን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ከም መሻገሪ ድልድል ኮይኑ ዘገልግል ከም ምዃኑ መጠን፡ ግዝያዊ መንግስቲ ዓርሱ ክኢሉ ናይ መወዳእታ ሽቶ ለውጢ ወይ ድማ ቅዲ ስርዓት መንግስቲ እዩ ምባል ኣይከኣልን፡፡ መልክዕን ቅዲን ግዝያዊ መንግስቲ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካሊእ ክፈላለ ዝኽእል ኮይኑ ብኣውርኡ ግና ነቲ ዝተፈጠረ ፀገም፣ ህልው ኩነታትን ትፅቢት ህዝቢን ኣብ ግምት ብዘእተወ መንገዲ ክህነፅ ይግባእ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ግዝያዊ መንግሰቲ ሃገራዊ ወይ ድማ ክልላዊ መልክዕ ክህልዎ ዝኽእል ኮይኑ፤ እዚ ኣፈላላይ ድማ ኣብ ትሕዝቶ ዓውዲ ስልጣንን ሓላፍነትን፣ ኣወዳድባን ኣወቓቕራን፣ ዓይነት ከምኡ እውን መጠን ግደን ተሳትፎን ተወሳእቲ ሓይልታት (Roles of Stakeholders) ከመይ ክኸውን ከም ዝግባእ ናይ ባዕሉ ፅዕንቶ ይፈጥር እዩ፡፡

ብሓፈሻ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ክሊ ዝተሓላለኸ ኩነታት ዝፍጠር ትካላዊ መስርሕ ኮይኑ ከም ምፍራስ ገዛኢ (ምሕደራ) መንግስቲ (Regime Collapse)፣ ጎንፂ/ኩናት ስዒቡ ዝተብፅሐ ስምምዕ ዘተ (Negotiated Agreement)፣ ኣድላይነት ምስላጥ ፍሉይ መረፃ (Special Election) ወይ ድማ ዓለምለኻዊ ኢድ ኣእታዊነት ዝኣመሰሉ ከም መንቀሊ ምኽንያት ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ዝውሰዱ እዮም፡፡

1.2.       ኣድላይነት ግዝያዊ መንግስቲ

ግዝያዊ መንግስቲታት ዝጣየሽሉ ኩነታት፣ ንምጥያሽ ምኽንያት ዝኾኖም ፍፃመ፣ ዝህልዎም ስፍሓት ወሰን ስልጣንን ሓላፍነትን፣ ዘጣይሽዎ ተዋሳእቲ ኣካላትን ኣግባብ ኣቀዋውሞኦምን ዝኣመሰሉ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክፈላለዩ ከም ዝኽእሉ ልዕል ክብል ተገሊፁ እዩ፡፡ ኣድላይነት ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ዝተፈላለየ ከም ዝኾነ ግንዛበ ምውሳድ የድሊ፡፡ ሓንቲ ሃገር ዘጋጠመ ከቢድ ኢኮኖምያዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ወይ ድማ ከምቲ ኣብ ስፔንን (1975-1976) ኢንዶኖዥያን (1998-1999) ዘጋጠመ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገባታይ ፖለቲካዊ ሓይሊ ካብ ዝመፆ ዘሎ ሙሉእ ሞት ንምድሓን ወይ ድማ ዝሓሸን ሓቛፋይን ፖለቲካዊ ባይታ (Political Space) ንምፍጣር ክብል ግዝያዊ መንግስቲ ከጣይሽ ይኽእል፡፡

ኣብ ካልኦት ድማ ኩናት፣ ምውዳቓ ስርዓት ወልቀ-መላኺ ወይ ድማ ዝሕቱል ፖለቲካዊ ከይዲ ስዒቡ ምሕደራ ህዝቢ ንክቕፅል

ብዝብል ብዓለምለኻዊ ኢድ ኣእታውነት ግዝያዊ መንግስቲ ክጣየሽ ይኽእል፡፡ ኣብዚ ከም ኣብነት ንምብራቕ ቲሞር(East

Timor) ምጥቃስ ይከኣል። ምብራቕ ቲሞር ካብ ኢንዶኔዥያ ተነፂላ ሉኡላዊ ሃገር ንምዃን ዘካየደቶ ዕውት መረፃ (Referendum) ስዒቡ ምስ ኢንዶኔዥያ ናብ ከቢድ ፀረ-ፅንተታዊ ኩናት ከም ዝኣተወት ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪ እዚ ኩናት ምክያዳ፡ ናፃ ሉኡላዊት ሃገረ ምብራቕ ቲሞር ዝመርሕ መንግስቲ ክሳብ ዝጣየሽ፡ ካብ 1999-2002 ኣ.ፈ ዝፀንሐ ‘ስግግር ምምሕዳር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ምብራቕ ቲሞር’ ዝበሃል ዓለምለኻዊ ግዝያዊ ምሕደራ ክጣየሽ ተገይሩ እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊን ተናሓናሕቲ ውድባትን ዝገብርዎ ስምምዕ ሰላም ወይ ድማ ፖለቲካዊ ዕርያ (Settlement) ስዒቡ ግዝያዊ መንግስቲ ንስግግር ከጣይሹ ዝኽእሉ እንትኸውን፡ እዚ ድማ ኣብ ከም ኤል ሳልቫዶርን (1992-1994) ኔፓልን (2006-2008) ዝኣመሰላ ሃገራት ብግበሪ ተፈፂሙ እዩ፡፡

ልዕል ክብል መስርሕ ግዝያዊ መንግስቲ ብባህሪ ንሓፂር ግዘ ዝፀንሕ ከም ዝኾነን ዝህልውዎ ሓፈሻዊ ስልጣንን ሓላፍነትን እውን ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ዕላማን ሓላፍነትን ግዝያዊ መንግስቲ ናይ ነዊሕ እዋን (long-term) ፖለቲካዊ ሕቶታት ኣድሂቡ ዝሰርሕ ዘይኮነስ ብኣውርኡ ኣብ ስብኣዊ ሓገዛት፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ሕውየት፣ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ምርግጋፅን ንቐፃሊ መረፃ ጥጡሕ ዝኾነ ባይታ ወጊንካ ምፅናሕን ኣብ ዝኣመሰሉ ዘተኩር ኮይኑ፡ ትሕት ክብል ሓላፍነት ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ዝብል ርእሲ ብሰፊሑ ተዳህሲሶም ክንረኽቦም ኢና፡፡ ልዕል ክብሉ ካብ ዝተገለፁ መንቀሊታትን ዓይነታትን ግዝያዊ መንግስቲ፡ እቲ ብዙሕ ግዘ ዘጋጥምን ነዚ ፅሑፍ ድማ ኣውራ ምኽንያት ዝኾነን ግና፡ ኩናት ስዒቡ ብዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ኣቢሉ ዝምስረት መሰጋገሪ መንግስቲ ኣውራ ዕላማታቱን ኣድላይነቱን ዝብል እዩ።

ሓፈሻዊ ኣድላይነት ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ብክልተ ዓበይቲ ባእታታት ጠቕሊልካ ምግላፅ ይከኣል፡፡

1.     ልሙድ መንግስታዊ ምሕደራ ክቕፅል ንምግባር ዝብል እቲ ሓደ ኾይኑ፡ እዚ ማለት ድማ ምሕደራ፣ ቀረብ ምስላጥ (facilitating)፣ ሕጊን ምርግጋዕን (Law and Order) ክህሉ ንምግባር፣ ቀረብ መሰረታዊ ናውቲን ግልጋሎትን ንምርግጋፅን ካብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላትን ፍለፍላትን ሓገዛት ምርካብ ዘኽእል ኩነታት ወይ ድማ ባይታ ምፍጣርን ስለዘድሊ እዩ፡፡

2. ምስ ኣጀንዳታት ለውጢ ዝተሓሓዝ ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዝተበፅሐሎም ከይዲታት ለውጢ (Reform) ክፍፀም ብምግባር ንቐፃሊ መረፃ ጥጡሕ ዝኾነ ባይታ ፈጢርካ ምፅናሕ ስለዘድሊ ዝብል ድማ እቲ ኻልኣዋይ ይኸውን፡፡

ብተወሳኺ ቅድም ክብል ሓይሊ ይጥቀሙ ዝነበሩ ተዋሳእቲ ናብ ሰላማዊን ሕጋዊን መስርሕ ክኣትዉ፣ ዓቕሚ ዘረግቲ ሰላም

ንክንኪ ብዘኽእል መልክዑ እቲ ዝነበረ ሚዛን ፖለቲካዊ ስልጣን ክመጣጠን ስለዝገብርን ሓፈሻዊ ከይዱ ቅቡልነት ዘለዎ እንተኾይኑ ድማ እቲ ዝነበረ ዓብላላይን ጎባጣይን ሓይሊ ዳግም ናብ ዓብላላይነት ከይምለስ ስለዝገብር ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ኣድለዪ ይኸውን፡፡ እንትጠቓለል ግዝያዊ መንግስቲ ካብቲ ዝነበረ ናብ ካልእ ዝሓሸ ንምስግጋር ዝጠቅም ድልድል ኮይኑ ሓፈሻዊ ኣድላይነቱ ድማ በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣሕፂርካ ምኽምባት ይከኣል፡፡:

o ካብ ተፃብኦ ናብ ሰላም ዝግበር ስግግር ስለዝሕግዝ!

o እቲ ዝግበር ስግግር ካብ ተቐባልነት ዘይብሉ ናብ ቅቡልነት ዘለዎ ከይዲ ክኸውን ስለዘኸእል!

o ተፃባእቲ ሓይልታት ዝሐሸ ዘላቕነት ናብ ዘለዎ ሕገ-መንግስታዊ ስምምዕ ዝኸድሉ መድረኽ ሃዋህው ስለዝፈጥር!

o ጎናጎኒ ከይዲታት ለውጢ (Reform processes) ልሙድ መስርሕ ምሕደራ መንግስቲ ክሳለጥ ስለዘኽእል! ዝብሉ ነጥብታት እዮም ምባል ድማ ይከኣል፡፡

1.3.       ሓፈሻዊ ኣከያይዳ ምጥያሽን (Formation Process) ትሕዝቶን ግዝያዊ መንግስቲ

ግዝያዊ መንግስቲ ብፍላይ ድማ ደማዊ ኩናት ስዒቡ ዝመፀ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ብቐሊሉ ተግባራዊን ዕውትን ክኸውን ዘይኽእሉ ብርክት ዝበሉ ፀገማትን ማሕለኻታትን ከጓንፍዎ ምርኣይ ዝተለመደ እዩ፡፡ እዞም ማሕለኻታት ካብ ክብደትን ባህሪን ነቲ ምኽንያት ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ዝኾነ ፀገም ጥራሕ ዝብገሱ ዘይኮኑስ፡ ስዒቡ ምስ ዝመፅእ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ተተሓሒዙ እውን ከበድቲ ፈተናታት ዘጋጥምዎ ወሳናይ መድረኽ እዩ፡፡ እዚ ማለት ድማ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ መንጎ እዞም ተዋሳእቲ (ፖለቲካዊ) ኣካላት መንግስታዊ ዓቕሚ (State resource) ንምሓዝ፣ ፖለቲካዊ ህላወኦም ውሑስ ንምግባርን ኣብቲ ዘሎን መፃኢን መንግስታዊ/ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ፀላዋይነቶም ንምዕባይ ዘኽእሎም ኩነታት ንምፍጣር ክበሃል ሓያሎ ፖለቲካዊ ውድድርን ምትፍናንን ዝተኣናገደሉን ግዘን መድረኽን እዩ፡፡ እዚ ውልቃዊ ወይ ድማ ውድባዊ ረብሓን ድልየትን ብዝዛየደ ንምዕባይ ተባሂሉ ዝግበር ውድድርን ምትፍናንን ድማ፡ እቶም ተዋሳእቲ ሓይልታት ኣብ ቀፃሊ መድረኽ ስግግር ዝህልዎም ናይ ምድርዳርን ፅልዋ ናይ ምፍጣርን ዓቕሚ ኣብ ምዕባይ ስለዘውዕልዎ፡ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ንምጥያሹን ንዕውትነቱን ዘድሊ ውፉይነት ክቕንስ ስለዝገብር ኣሉታዊ ፅልዋ ይህልዎ ማለት እዩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሓፈሻዊ ከይዲ፣ ምጥያሽን ምትግባርን ግዝያዊ መንግስቲ ቅቡልነትን ዕውትነትን እቲ መድረኽ ክፀልው ዝኽእሉ ፍሕፍሕን ምትፍናንን ንከይህልው ወይ ድማ ኣዝዮም ንእሽቶ ንክኾኑ ንምግባር ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ነጥብታት ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዝግበኦም እንትኾኑ፡ እዞም ዝስዕቡ ድማ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል፡፡

•    ሓቛፋይነት (Inclusion)፦ እዚ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ከምኡ ውን ወተሃደራዊ ሊሂቅ ምርግጋዕ ንክመፅእ፡ ኣገዳሲ ዝኾነ ሰፊሕ ናይ ሲቪክ ተሳትፎን ዘላቕነት ዘለዎ ስግግር ንክመፅእ ኣገዳሲ ዝኾነ ዘተን (deliberation) ሚዛን ምሕላው ዝከኣለሉ ኩነታት ክፍጠር ምግባር ይሓትት፡፡

ቅደም ስዓብነት (Sequencing)፦ ግዝያዊ መንግስቲ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጥታት ናይ ዝግበረሉ መድረኽ ስግግር ፈላማይ ብርኪ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ቅደም ስዓብነት ክበሃል ከሎ እዞም ኣድለይቲ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ለውጢ ምስ ውሽጣዊ (ባዕላዊ) ፖሊቲካዊ ክውንነት ምኽንያታዊ ብዝኾነ ቅደም ስዓብ ከመይ ምጥዕዓም/ምቅድዳወ ይከኣል? ዝብል ክምለስ ዝግበኦ ዓብዪ ነጥቢ እዩ፡፡

•    ድሕንነት (Security)፦ ዘለው ህልው ፀገማት ፀጥታን ድሕንነትን ከመይ ክቕህሙ ምግባር ይከኣል? ከምኡ ድማ ኣብ ከይዲ እቲ ስግግር ክፍጠሩ ዝኽእሉ ሓደሽቲ ስግኣታት ፀጥታ ኸ ከመይ ምብርዓን ይከኣል? ዝብሉ ነጥብታት ኣቐዲምካ ክርኣዩ ዝግበኦም ወሰንቲ ዛዕባታት እዮም፡፡

ዋላኳ ቅዲ ግዝያዊ መንግስቲ ህልው ኩነታት መሰረት ዝገበረን ከከም ሃገሩ ክፈላለ ዝኽእልን እንተኾነ፡ መብዛሕቲኡ ግዘን ቅልል ብዝበለን መንገዲ ዝህሉ ግና ሰለስተ ዓበይቲ ዓምዲታት መሰረት ዝገበረ እዩ፡፡ እዞም ዓምዲታት ድማ ብዝምልከቶም ቁልፊ ተዋሳእቲ ኣካላት (Key Stakeholders) ኣቢሉ ልፍንታዊ ስልጣን መንግስቲ (Power Sharing Government) ምጥያሽ፣ ዝነበሩ ተፃብኦታት (hostilities) ጠጠው ክብሉ ዘኽእል ውፉይነትን ስልጣን ናብ ድሕረ-ስግግር ዝመፅእ መንግስቲ ብሰላማዊ መረፃ ዝመሓላለፈሉ መስርሕ ምንዳይን ዝብሉ እዮም፡፡ እዞም ሰለስተ ዓምዲታት ሓላፍነት ግዝያዊ መንግስቲ ኣብቶም ሕድሕድ ዝርዝር ስልጣንን ሓላፍነትን እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዝንፀባረቑ እንትኾኑ፡ ብፍላይ ድማ መብዛሕቲኡ ግዘ ኣብ ውሽጢ እቲ ቀፂሉ ዝመፅእ ናይ ስግግር መንግስቲ ዘድህቦም እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ዘፈራት ሓላፍነት ብግልፂ ዝጠቓለሉ እዮም፡፡ እዞም ኣርባዕተ ዘፈራት ሓላፍነት ድማ፡-

. ፖለቲካዊ መስርሕ፦ እዚ መስርሕ ግዝያዊ መንግስቲ ዝጣየሸሉን ብመሰረት እቶም ተፃባእቲ ወገናት ዝበፅሕዎ ስምምዕ መስርሕ ስግግር (Transitional Framework)  ምትግባር ዝብል ኮይኑ፡ ከም ሰፊሕ ለውጢ (መስርሕ) ሲቪልን ኢኮኖምያዊ ዘፈራት፣ ምምሕያሽ ወይ ምቕያር ሕግታት መረፃን ከምኡ እውን መዓዝን ከመይን መረፃ ይካየድ? ዝኣመሳሰሉ ዛዕባታት ዝሓቁፍ እዩ፡፡

. መስርሕ ፀጥታን ድሕንነትን፦ ኣብ ዓውዲ እዚ መስርሕ ምፍፃም ስምምዕ ቶኽሲ ጠጠው ምባል፣ ዕጥቂ ምፍታሕ፣ ምስንባትን (demobilization)፣ እግሪ ምትካልን (reintegration) ዕጡቓት ሓይልታትን ከምኡ ድማ ሓፈሻዊ ሪፎርም ዘፈር ደሕንነትን ፀጥታን መንግስቲ ዝብሉ ዝሓቁፍ እዩ፡፡

. ሕገመንግስታዊ መስርሓት፡ እዚ ዓውዲ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን ኩነታት ፀጥታን/ድሕንነትን ብዝምልከት ኣንፈት ዝሕብሩ ሕጋውን ሕገ-መንግስታውን ለውጢታት ዘድህብ እንትኸውን ከም ምትግባር ኣማራፂታት ተሳትፎ ህዝቢ፣ ምጣሽ ህዝባዊ ባይቶን (Constitutional Assembly) ከከም ኩነታቱ ድማ ምስላጥ ሕገ-መንግስታዊ ሪፈረንደም እውን ዝሓቁፍ ይኸውን፡፡

. ቁጠባዊ መስርሕ፡ እዚ መስርሕ ካብ ምብፃሕ ሰፋሕቲ ረድኤት ሰብኣዊን ዕብየትን፡ ከምኡ እውን ሓገዝ ድሕረ-ኩናት ህንፀትን ሕውየትን (post-war reconstruction) ብተወሳኺ ካብ ደገ ዝምወሉ ሓገዛት ሰብኣዊ ረድኤትን ከምኡ ድማ ዓቕሚ ግዝያዊ መንግስቲን ዘካይዶም ናይ ሪፎርም ከይዲታትን ዝድግፉ ዓውዲታት ሓላፍነት ዝሓቁፍ ይኸውን፡፡

ኣብዚ ልቢ ክንብሎ ዝግባእ ነገር እዞም ልዕል ክብሉ ዝተጠቐሱ ዓውዲታት ሓላፍነት/መስርሓት፡ ዝፍፀምሉ ቅደም ስዓብ (sequencing) ከከም ኩነታት ክቀያየር ዝኽእል ዋላ እንተኾነ ነንሕድሕዶም ግና ዝተተሓሓዙን ዝተዛመዱን ከምዝኾኑ ምግንዛብ እዩ፡፡ እዚ ማለት ድማ ቅደም ሰዓብን ኣፈፃፅማን እዞም ሕድሕድ ዘፈራት ብዝተዋደደ (integrated) መንገዲ ኮይኑ ሕድሕድ ዘፈር ዓርሱ ዕውት ኮይኑ ንዕላማታት እቲ ሓፈሻዊ ስግግር ድማ ሓጋዛይ ኣበርክቶ ክህልዎ ብዘኽእል መንገዲ ክፍፀሙ ይግባእ፡፡ እንተዘይኮይኑ ግና ኣብ ሓደ ዘፈር ዝምልከቶም ተዋሳእቲ ኣካላት ዝፈጥርዎ ዘይምቅድዳው ወይ ድማ ብህዝቢ ዝፍጠር ስእነት ቅቡልነት፡ ነቶም ካልኦት ዘፈራት እውን ስለዝፀልዎም፡ ሓፈሻዊ ከይዲ እቲ ግዝያዊ መንግስቲን ስዒቡ ዝመፅእ መሰጋገሪ መንግስቲን ዕውት ንከይኸውን ወይ ድማ ዝኸፍአ ፀገም ንክመፅእ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡

ኣብዚ ትኹረት ክግበረሉ ዝግባእ ካልእ ነጥቢ ፅቡቕ ቅዲ(good design) ትሕዝቶን መሓውራዊ ኣወዳድባን ግዝያዊ መንግስቲ ምህላው ሓደ ኣድላዪ ነገር ዋላ’ኳ እንተኾነ ትካላት ግዝያዊ መንግስቲን ስምምዓት ኣካይዳታት ሪፎርምን ዝድለ ቅርፂ ክህልዎም ኣብ ምግባር ዘለዎ ፅልዋ ግና ውሱን እዩ፡፡ እኳ ድኣስ ነቲ ዝተደለየ ለውጢን ስግግርን ደፋእቲ ምኽንያት ዝኾኑ ኣውራ   ዛዕባታት ዕውት ንክኾኑን ንኸይኾኑን  ብኣውርኡ ኣብቶም ዝምልከቶም ተዋሳእቲ ዝገብርዎም ከይዲ ድርድራት/ስምምዓት ርትዓውነት (logic of negotiations) ዝተደረኸ እዩ፡፡        እዚ ከይዲ ርትዓውነት ብተኸታታሊን ጥንቃቐን ክትሓዙ ብዝግበኦም መሓውራዊ ኩነታት (structural factors) ክፅለው ዝኽእል ከም ዝኾነ ምግንዛብ የድሊ፡፡ ሓደ ግዝያዊ መንግስቲ ቅቡልነት ንክህልዎን ዕውት ንክኸውንን፡ እንታይ ዓይነት ከይዲ ምጥያሽን ኣተኩሮ ክወሃቦም ዝግባእ ኣንፈታዊ ትሕዝቶታትን ብዝምልከት ብሓፈሻኡ ተገሊፁ እዩ፡፡ ኣብ ክሊ እዚ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ግና፡ ብድርድር ኣብ ዝተጣየሸ ግዝያዊ መንግስቲ ብፍሉይ ትኹረት ክግበረሎም ዝግባእ ክልተ ወሰንቲ ነጥብታት ኣለው ክብሉ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ተሞክሮታት ድሕረ ኩናት ስግግር መፅናዕቲ ዘካየዱ ፅሑፋት ይገልፁ፡፡ እዞም ነጥብታት ኣቀዋውማን (Composition) ሓላፍነትን (Mandate) እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ከመይ ክኸውን ይግባእ ዝብሉ ኮይኖም ከም ዝስዕብ ድማ ብሓፂሩ ንምድህሳስ ተፈቲኑ ኣሎ፡፡

1.3.1. ኣቀዋውማ (Composition) ግዝያዊ መንግስቲ

ልዕል ክብል ከም ዝተገለፀ መብዛሕቲኡ ግዘ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ተፃብኦ/ጎንፂ ዝነበሩ ወገናት ብመልክዕ ልፍንተ-ስልጣን (Power-Sharing) መሰረት ዝገበሩ ትካላት ግዝያዊ ምሕደራ/መንግስቲ ምጥያሽ ማእኸል ነጥቢ ስግግር እዩ፡፡ ብፍላይ ቅርፂ (Structure)፣ ኣባልነትን (Membership) ዝርዝሩን(Portfolio) እዞም ትካላት ዝምልከቱ ኣብ መንጎ ተናሓናሕቲ ኣካላት እቲ መደረኽ ብርቱዕ ድርድርን ክትዕን ዝካየድሎም ነጥብታት እዮም፡፡ ካብዞም ትካላት ውሽጢ ድማ፡ ምጥያሽን ምጥንኻርን ግዝያዊ ካቢኔ፡ ጎንፂ ጠጠው ምባል ስዒቡ ዝመፅእ ፈላማይ ስራሕ ግዝያዊ መንግስቲ ከም ዝኾነ ኣብ ስግግር ስርዓት ካብ ዝተተግበሩ ተሞክሮታት ምግንዛብ ይከኣል፡፡ ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ኣባልነት እዞም ካቢኔታት፣ ውሳነ ናይ ምሃብ ሓላፍነትን ኣብ ሞንጎኦም ዝህሉ ትካላዊ ርክብን ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ብርቱዕ ውድድርን ምትፍናን ዝንፀባረቐሎም እንትኸውን፡ ምኽንያቱ ድማ እዞም ቦታታት/ዛዕባታት መንግስታዊ ሰልጣን፣ መንግስታዊ ሃፍቲ (Resources)፣ ፖለቲካዊ ረብሓን ንምርካብ ከም ኣፍ ደገ ኮይኑም ስለዘገልግሉ እዩ፡፡

ኣብ ጉዳይ ድሕረ-ኩናት ዝካየድ ስግግር፡ ንፅፅራዊ ተሞክሮ ሃገራት መልዐሊ ገይሮም ዝተኻየዱ መፅናዕታት ከም ዝሕብርዎ፡ ተደራደርቲ ኣካላት ብዝተኽኣለ ፍጥነት ኣብ ሞንጎ እቶም ተዋሳእቲ ኣባላት እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ክህሉ ዝግባእ ስርዓት ከይዲ ኣሰያይማ ክፍፍልን/መቐሎን ስልጣን ብዝምልከት፡ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ክበፅሑ ከም ዝግባእን እዞም ነጥብታት ብዝፈጠነ ግዘ ክውገኑ ምግባር ዝበለፀ ረብሓ ከም ዘለዎን የስምርሉ፡፡ ዘይልሙድ (extraordinary) ተፈጥሮኦምን ንውስን ግዘ ዝፀንሑ ምዃኖም ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ግዝያዊ መንግስቲ ከም መረፃ ብዝኣመሰሉ ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ብዘተኣናግድ መንገዲ ዘይኮነስ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ፣ ወተሃደራዊን ሲቪል ኣመራርሓታት ብዝግበር ናይ ሊሂቃን ልዝባት/ዘተታት (Elite bargains) ኣቢሎም ዝጣየሹ እዮም፡፡

ግደ መሪሕነት ግዝያዊ መንግስቲ እንታይ ክመስል ኣለዎ? ዝብል ድማ፡ በቶም ተደራደርቲ/ተሳተፍቲ ኣካላት ዝገብርዎ ልዝብ ክውሰን ዝኽእል ኮይኑ፡ እዚ ድማ ፈለማ ኣብ እዋን እቶም ልዝባት (Negotiations) ብቀጥታ ወይ ድማ ብመሰረት ፈለማ ኣብቲ ልዝብ ዝተወሰኑ ስዒቡ ኣብ ዝመፅእ ከይዲ ስርዓት መረፃ መሪሕነት ብተዘዋዋሪ ክውሰን ይኽእል፡፡ ኣብ ጉዳይ ስግግርን ፖለቲካዊ ለውጥታትን ጠሚቱ ዝሰርሕን ከም ኣፍጋኒስታን፣ ኮሎምብያ፣ ኤል ሳልቫዶር፣ ጋምብያ፣ ሊብያ፣ ናይጀርያ፣ ሶርያ፣ ስሪላንካ፣ ቱኒዝያ፣ዩክሬን፣ ቬኔዝዌላን ዝምባብዌን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ዘካየደኦ ድርድርን ስግግርን ሓገዝ ዝገበረ እቲ ቅድም ኢልና ዝጠቐስናዮ ዓለም-ለኻዊ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ኢንስቲትዩት ንዝተወሃሃደ ስግግር (Institute For Integrated Transitions) እቲ ብሉፅ ቅዲ “ብጣዕሚ ወሰንቲ ዝኾኑ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ኣብታ ዓዲ እሙናት ንዝኾኑን ሞራላዊ ልዕልና (Moral authority) ንዘለዎምን ውልቀሰባት እንትወሃቡ እዩ” ክብል ይሕብር፡፡ ከም ለበዋ እዚ ትካል ዋላኳ ኣቀዋውማ (composition) ግዝያዊ መንግስቲ እቲ ዝተገበረ ናይ ሊሂቃት ልዝብ ዘንፀባርቕ እንተኾነ ብዙሕ ግዘ ዝምክር ግና ድሕሪ ግዝያዊ መንግስቲ ፖለቲካዊ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዘይደልዩ ወይ ድማ ክወዳደሩ ዘይኽእሉ ኣብነታውያን ዝኾኑ ውልቀ ሰባት መሪሕነት እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ክመርሕዎ/ከጥሽዎ ተዝግበር ነቲ ግዝያዊ መንግስቲ ተወሳኺ ቅቡልነትን ምርግጋዕን ክህሉ የኽእል እዩ ክብል ይውስኽ፡፡

ካልእ ኣቀዋውማ ግዝያዊ መንግስቲ ሰፊሕ ሓቛፋይነት፣ ከይዲን ትሕዝቶን ክህልዎ ከም ዘለዎ ምግንዛብ ዝብል ኮይኑ፡ እዚ ክበሃል ድማ ብዝተኸኣለ መጠን ኩሎም ዝምልከቶም ቁልፊ ኣካላት እኹል ብዝኾነ ብርኪ ክሳተፉ ምግባር ወሳኒ እዩ ከም ማለት እዩ፡፡ ዋናን ዝምልከቶም ቁልፊ ኣካላትን ዘግለለ እንተኾይኑ ግን ካብ 2003-2005 ኣ.ፈ ኣብ ኢራቅ ካብ 2001-2202 ኣ.ፈ ድማ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝፀንሐ  ስግግር ናይ ቅቡልነት ፀገም ገጢሙዎ ብዘረግቲ (Spoilers) እውን ተጨውዩ ዘይተረጋገዐ መንግስቲ ካብ ምዃን ሓሊፉ ናይ ምፍራስ ሓደጋ እውን የጋጥሞ እዩ፡፡ ኣብዚ ክስመረሉ ዝግባእ ዓብዪ ነጥቢ፡ ናይ ደገ ሓይልታት ዝምልከት እዩ። ኣብ ከም ናብ ምጥያሽ ዘምርሑ መድረኻት ልዝብ ክሳተፉ ዝኽእልሉ ዕድል ምፍጣሩ ሃናፃይ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ኣመራርፃ ኣባላትን መሪሕነት እቲ ግዝያዊ መንግስቲን እንተተሳቲፎም ግና እቲ ከይዲ ካብ ውሽጢ ዝፍልፍልን ብውሽጢ ዝውነንን ከይኸውን ስለዝገብር እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ልክዕ ብ1999 ኣ.ፈ ኣብ ኮሶቮ ዘጋጠመ ገጂፍ ፀገም ቅቡልነት ከጓንፎ ዝገብር ይኸውን፡፡

1.3.2. ሓላፍነት (Mandate) ግዝያዊ መንግስቲ

ኣሕፂርካ እንትግለፅ ኣካላት ግዝያዊ መንግስቲ ክልተ መሰረታዊ ዕዮታት ሒዞም ይጣየሹ፡፡ እቲ ሓደ ልሙድ መንግስታዊ ምሕደራ ክቕፅል ምግባር ዝብል እንትኸውን፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዝተበፅሐ ከይዲ ለውጢ (Reform) ክፍፀም ምግባር እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ቀዳማይ መሰረታዊ ስራሕቲ መንግስቲ ዝጥምቱ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ዓበይቲ ሓላፍነታት ይሓቁፍ፡፡

➢ምሕደራ፣ ቀረብ ምስላጥ፣ ሕጊን ምርግጋዕን (Law and Order) ዝብል ኮይኑ ከም ኣብያተ ፍርዲ፣ ፖሊስ፣ ፍትሒን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ዝሓውስ እዩ፡፡

➢ቀረብ መሰረታዊ ናውቲን ግልጋሎትን ምርግጋፅ ዝብል ኮይኑ ከም ግልጋሎት ማይ፣ መብራህቲ፣ ፅሬት ከተማታት፣ ትምህርቲ፣ ጥዕናን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ዝኣመሰሉ ዝሓውስ እዩ፡፡

➢ካብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላትን ፍልፍላትን ሓገዛት ምርካብ ዘኽእል ዓለም-ለኻዊ ውክልና ወይ ድማ ትኹረት ክህሉ ዘኽእሉ ዕዮታት እዮም፡፡

እቲ ካልኣይ ምስ ኣጀንዳታት ለውጢ ዝተሓሓዝ ኮይኑ ኣዝዩ ወሳኒን ፈታንን ዕዮ ግዝያዊ መንግስቲ እዩ፡፡ ኣብ መስርሓት ግዝያዊ መንግስቲ ክህልው ዝኽእል ናይ መሓውራዊ ኣቀዋውማ ኣፈላላያት ከም ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ በዝሒን ተፈጥሮን እቶም ኣጀንዳታት ሪፎርም እውን መሰረታዊ ኣፈላላያት ኣለዉ እዮም፡፡ እዞም ኣፈላላያት ብኽልተ መንገዲ ክግልፁ ይኽእሉ፡፡ እቲ ሓደ ከም ዕልዋ መንግስቲን ዝኣመሰሉን ውስን ክብደት ዘለዎም ተፃብኦታት ስዒቡ ቅልል ዝበለ ቅዲ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ዝትከለሉ እዋን ዝህሉ እንትኸውን፤ ልዕል ክብል ከም ዝተገለፀ ድማ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ሰለስተ ዓምዲታ ሓላፍነት ይህልውዎ። ንሳቶም ድማ ብዝምልከቶም ቁልፊ ተዋሳእቲ ኣካላት (key stakeholders) ኣቢሉ ልፍንታዊ ስልጣን መንግስቲ (Power Sharing Government) ምጥያሽ፣ ዝነበረ ተፃብኦ (Hostility) ጠጠው ክብል ዘኽእል ውፉይነትን ስልጣን ናብ ድሕረ-ስግግር ዝመፅእ መንግስቲ ብሰላማዊ መረፃ ዝመሓላለፈሉ መስርሕ ምንዳይን ዝብሉ እዮም፡፡ ኣዝዩ ከቢድ ደማዊ ኩናትን ካልኦት ገበናትን ዝተፈፀሙሉ ኩናት ስዒቡ ዝትከል ግዝያዊ መንግስቲ ድማ እቲ ካልኣይ እዩ። ብባህሪ ይኹን ብትሕዝቶ ዝተሓላለኸ፣ ብዙሕ ግዘ ድማ ናይ ሓንቲ ሃገር ፖለቲካዊ ስርዓት ብመሰረታውነት ክቕይር ዝኽእል ሰፊሕ ከይዲን ትሕዝቶን ኣጀንዳታት ሪፎርም ዘድህብ እዩ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ካብ ዝህልውዎ ሓላፍነታት ኣብ ቡሩንዲ (2000-2005)፣ ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን (2003-2006) ሱዳንን (2005-2001) ከም ዘጋጠሙ ክሳብ መሰረታዊ ባህሪን ተፈጥሮን ሓንቲ ሃገር ዝትንክፉ ኣጀንዳታት ዝሓውስ ሪፎርም ምውጋን ዝበፅሕ እዩ፡፡

ብሓፈሻ ሓደ ግዝያዊ መንግስቲ ብውሕዱ ክልተ ዓበይቲ ሓላፍነታት ዘለውዎ ኮይኖም፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ስሩዕ ምሕደራ እቲ ዓዲ ክቕፅል ምግባርን ብዓለምለኻዊ ተዋሳእቲ ዝግበረሉ ሓገዝ ሓዊሱ ንቐፃሊ መረፃ ጥጡሕ ዝኾነ ባይታ ምፍጣርን ዝብሉ እዮም፡፡ እንትጠቓለል ግዝያዊ መንግስቲ እዞም ዝስዕቡ ስልጣንን ሓላፍነትን ክህልውዎን ክትግብርን ከም ዝግባእ ኣብቲ ዓውዲ ዝተሳለጡ መፅናዕትታት የመላኽቱ፡፡

➢ሽቶታት፣ ወሰንን (scope) ሓላፍነትን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብዝምልከት ግልፂን ሓበራዊን ዝኾነ ራእይ ምድላው፡ ፡ እዚ ሓበራዊ ራእይ ውሽጣውን ደጋውን ቅቡልነት ከምኡ እውን ተቐባልነት ክህልዎ ምእንታን ግልፂ ብዝኾነ ኣቀራርባ ንህዝቢ ዕላዊ ክኸውን ምግባር ኣገዳሲ እዩ፡፡

➢እቲ ዝነበረ ውስንነት ዓቕምን ፀገማት ግዕዝይናን ንምቕራፍ፡ ሓድሽ ሓይሊ ሰብን ትካልን ምጥቃም ከም ዘሎ ኮይኑ ምስቲ ናይ ግዘ ሕፅረት ግና እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብዝተኸኣለ መጠን በቲ ዝነበረ ቢሮክራሲ ምቕፃል ዝከኣለሉ ኩነታት ምፍጣር፡፡

➢ብዝተኸኣለ መጠን ኣብ ውሽጢ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝህሉ ስርዓት ውሳነ ኣወሃህባ ብሓበራዊ ምርድዳእ ዝውሰን ክኸውን ዘኽእል ምግባር፡ ዘይምርድዳእ ወይ ድማ ጎንፂ እንትህሉ ዝፍተሓሉ ስርዓት ድማ ኣቐዲምካ ምሕንፃፅ፡፡ ➢ሕድሕድ ኣባልን መሓውራት እቲ ግዝያዊ መንግስቲን ዝህልዎም ግደን ሓላፍነትን ብግልፂ ክቕመጥ ብምግባር፡

ክፍጠር ዝኽእል ዘየድሊ ምቁርራፅን ዓንቀፍቀፍን ምኽልካል፡፡

➢ህዝባዊ ሓላፍነት እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ምንፃር፣ ዕላማታቱን ቅደም ስዓቡን (ናይ ሓፂርን ነዊሕን ግዘ ዕዮታት ብዝብል) እውን ብዝተኽኣለ መጠን ብግልፂ ምዝርዛር፡፡

➢ከም ኣካል ፖለቲካዊ ስምምዕነት እዋን (ግዘ) ፃንሒት እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ብግልፂ ምውሳንን፤ እቲ ዝተነበረ ግዘ ምንዋሕ ኣድላዪ ክኾን እዩ ንዝብል ንምምላስ ድማ ዝናወሐሉ ምኽንያትን ግዘን ኣቐዲምካ ምድንጋግ፡፡

➢ከም ቁጠባዊ ዓቕሚን ምምላስ ቀረብ መሰረታዊ ግልጋሎት ዝኣመሰሉ ምሕደራዊ ማሕለኻታት ኣፅንዖትን ክግበረሎም ምግባርን ነዚ ማሕለኻ ንምንካይ ድማ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዝነኣሰ (minimum) ልምዲን ቴክኒካዊ ዓቕሚን ብዘለዎም ዝተወደቡ ንክኸውን ምፅዓርን ምትግባርን፡፡

➢ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ብቐሊሉ ክሳኽዑ ዘይኸእሉ፡ ከም ዝሓሸ ኩነታት ናብራን ቅልጡፍ ለውጢን ዝብሉ ትፅቢታት ህዝቢ ንምምላስን ንምምሕዳርን ዘኽእል ብፅቡቕ ዝተተለመ ስትራቴጂ ርክብ ህዝቢ ምንዳይ ዝብሉ ምጥቃስ ይከኣል፡፡

1.1.       ተዋሳእቲ ሓይልታት (Possible Actors)

ኣብ ግዝያዊ መንግስቲ ካብ ምስላጥ ድርድር ተፃብኦ ጠጠው ምባልን ስምምዕ ሰላምን ክሳብ ኣፈፀፃፅማ እቲ ስምምዕ ዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ ኣካላት ኣለው እዮም፡፡ እዞም ተዋሳእቲ ካብ ውሽጢ ዓዲ ክሳብ ናይ ደገ/ወፃኢ ሃገራትን ትካላትን ዘካተተ ኮይኑ፡ ዝህልዎም ግደ ድማ ከከም ኩነታቱ ክፈላለ ይኽእል፡፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተፃባእቲ ሓይልታት፣ ውድባት ፖለቲካ፣ ወተሃደራዊ ልሂቃት፣ ዝተፈላለያ ማሕበራት፣ ትካላት ሃይማኖትን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባትን ተዋሳእቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ኮይኖም ካብ ደገ ድማ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ትካላት ከምኡ እውን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሃገራት ብውልቀአን ተዋሳእቲ ዝኾንሉ ዕድላት ኣሎ፡፡ ሓቛፋይን ቅቡልነትን ዘለዎ ግዝያዊ መንግስቲ፡ ካብ ፈለማ ምጥያሽ ኮሚቴታት ጀሚሩ ብዝተኸኣለ መጠን ናይ ውሽጢ ኣካላት ተዋሳእቲን ወነንቲን እቲ ከይዲ ዝኾንሉ ዕድል ክፈጥር ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ ናይ ደገ ሓይልታት ዝምልከት ግና ከከም ኩነታቱ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ኣካይዳ ንዕውትነት እቲ ስግግር ብዝሕግዝ መንገዲ ክሳተፉ ዝኽእልሉ ዕድል ምፍጣር ጥራይ ይግባእ።

ብፍላይ ድማ ዓለም-ለኻዊ ተዋሳእቲ፡ ዓለም-ለኻዊ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ቴክኒካዊን ፖለቲካዊን ድጋፍ፣ ወተሃደራዊ ሓገዝን ፋይናንሳዊ ድጋፍን ብምሃብ ኣብ ኣፈፃፅማን ምርግጋዕን እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ግደ ክፃወቱ ይኽእሉ እዮም፡፡ ብፍላይ ኣብቲ ዝነበረ ኩናት፡ ብሙሉእ ወተሃደራዊ ዓወት ሓዲኡ ሓይሊ ከይተዛዘመ ብኣህጉራዊ ወይ ድማ ዓለምለኻዊ ሳልሳይ ወገን ኣሳላጥነት ብድርድርን ስምምዕን ኣብ ዝኽምበተሉ ኩነታት ግደ ዓለም-ለኻዊ ተዋሳእቲ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ዕድል ሰፊሕ እዩ፡፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ጉዳይ ስግግርን ግዝያዊ መንግስቲን ኣካል እቲ ስምምዕ ሰላም ስለዝኸውን ግደ ኣደራደርቲ ወገናት ግልፂ እዩ፡፡ ስምምዕ ዋላ እንተተገበረ ኣብ መንጎ እቶም ተፃባእቲ ዘይምትእምማን ክህሉ ስለዝኽእልን ወተሃዳራዊ ሓይሎም እውን ሒዞም ዝፀንሕሉ ዕድል ስለዘሎ፣ ዘረግቲ እቲ ሰላም ድማ ዕድላት እናተፀበዩ ዝፀንሕሉ ኩነታት ክህሉ ስለዝኽእል እቲ ስምምዕ ሰላም ተዃሳሓይን ተሳጣሓይን ክኸውን ዝኸእለሉ ዕድላት ኣለው፡፡ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኣብ ቦሲንያ፣ ሞዛምቢክን ካምቦድያን ዘጋጠመ ኾይኑ፡ እቲ ከይዲ ሰላምን ስግግርን ዕውት ንክኸውን ዘላቕን ትኹረት ዝተመለኦ ዓለምለኻዊ ክትትልን ከም ዘድሊ ድማ ትምህርቲ ዝተወሰደሉ እዩ፡፡

ክፍሊ ክልተ

እማመ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ

1. ሳወት፡ ካብ ምውላዕ ኩናት ትግራይ ክሳብ ሐዚ ዝሓዞም ቅዋማት!

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ከም ውድብ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ካብ ውሽጡ ዝፍልፍሉ መትከላዊ መርገፂታት ብምሓዝ ዝፍለጥ ውድብ እዩ፡፡ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝኣምን፣ ብተግባር ናይ ትካላዊ ኣሰራርሓ ሰረት ዘንበረ ውድብ እዩ፡፡ እዞም ፀጋታት እዚኦም ኣብ ቀፃሊ ዝበለፀ እናዓሞቑ ምእንቲ ክኸዱ ድማ ኣብ መፅናዕቲን ምትግባርን ይርከብ፡፡ ካብዞም ባህርያት እዚኦም ብምብጋስ ውድብና ዕላዊ ኾይኑ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝተፈላለዩ መትከላዊ ቅዋማት እናሓዘ መፂኡ እዩ፡፡

ብፍላይ ጥቅምቲ 24/2013 ኣ.ግ ኩናት ምውላዑ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ጉድኣት ምብፃሕ ምስ ጀመረ፡ ውድብና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ግዝኣታዊ ሓድነታን ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ምዃኑ ተረዲኡ ጠጠው ክብል ብተደጋጋሚ ፀዊዑን ምስ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፉን ግቡኡ ፈፂሙ እዩ፡፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕዳር/2013 ናብ መቐለ ድሕሪ ምእታው ድማ እቲ ዝፀንሐ መንግስቲ ትግራይ ስለ ዝፈረሰ መንግስትነት ትግራይ ንኹሉ ብዝሓቖፈ መንገዲ ክጣየሽ ምስ ካልኦት ብሄራውያን ውድባት ኮይኑ ፃውዒት ኣቕሪቡ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ነቲ ኩናት ዝመርሑ ዝነበሩ ኩሎም ኣካላት ነዚ ፃውዒት ፀማም እዝኒ ብምሃብ ኩናት ዝቐፀሉ ኾይኖም ሰነ/2013 ኣ.ግ ሰራዊት ትግራይ ንመቐለ ሓዊሱ ሰፊሕ ከባቢታት ትግራይ መሊሱ ክቆፃፀር ክኣለ፡፡ ውድብ ህወሓት ተመሊሱ መንግስታዊ መሓውራት ብምቁፅፃር ‘መሪሕነት መንግስቲ ንብሕተይ እዩ ዝግባእ’ ዝብል መርገፂ ሓዘ፡፡ ንውድብና ሓዊሱ ካልኦት ብሄራውያን ተቓለስቲ ንኹሉ ዝሓቖፈ መንግስቲ ክጣይሽ ሓያል ድፍኢት ስለዝገበሩ መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ናብ ሚድያ ወፅዮም ንለውጢ ብምቅዋም ህወሓት ክትዕምርር ቅሉዕ ድጋፍ ድማ ሂቦም፡፡

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ንቅዋም ህወሓት ብፅኑዕ ዝተቓወመ እንትኸውን፡ ሽዑ እውን ንኹሎም ብሄራዊ ውድባት፣ ሲቪል ማሕበራትን ሊሂቃንን ተጋሩ ዝሓቖፈ ንኹሎም ዓቕምታት ተጋሩ ዝምዝምዝ ስግግር መንግስቲ ክጣየሽ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡ ውድብና ምኽንያትን ኣድላይነትን ምጥያሽ ስግግር መንግስቲ ዝገልፅ ሰፊሕን ንፁርን ሰነድ ኣቕሪቡ ዋላኳ እንተነበረ

➢ውድብ ህወሓት በይነይ ኣብ ዝብል መርገፂኡ ስለ ዝተሸኸለ፡

➢መራሕቲ ሰራዊት መትከል ዘይሻራዊነት ጥሒሶም ብቕሉዕ ምስ ህወሓት ስለዝወገኑ፡

➢ቀሊል ዘይበሃል ቁፅሪ ዝነበሮም ተጋሩ ሊሂቃንን ዲያስፖራን ነቲ እማመ ናይ ምኹላፍ ፕሮፖጋንዳ ብምስርሖምን፡

ካልኦት ምኽንያታትን ክፍፀም ኣይከኣለን፡፡ ነዚ ስዒቡ ውድብ ሳወት ኣብዚ ህዝባዊ ቃልሲ ውግንናይ ምስ ህዝቢን ሰራዊትን ትግራይ ጥራሕ እዩ ብምባል መርገፂ ሒዙ፡፡ ውድብና ኣፍልጦ መንግስታዊ መሪሕነት ህወሓት ክሳብ ምኽላእ በፂሑ፡፡ እቲ ቃልሲ ዓቕሚ ኩሉ ትግራዋይ ዘወሃህድ ህዝባዊ መንግስቲ ክመርሖ እናተገበኦ ብድሩት ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ዓቕሚ መሪሕነት ህወሓት ክምራሕ ተገይሩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንፖለቲካዊ፣ ወታደራዊን ቁጠባዊን ጉልበት ትግራይ ሒዝዎ ራዕ ኢሉ ወዲቑ፡፡

ውድብ ሳወት ብዛዕባ ትግራይ ኣብ ዝግበሩ ዝርርባት፡ ንውድብና ሓዊሱ ኩሎም ነቲ ቃልሲ ዝደገፉ ተጋሩ ክሳተፉ ይግባእ ዝብል ተደጋጋሚ ፃውዒት ገይሩ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ውድብ ህወሓት ነዚ ፃውዒት ብምንፃግ፡ ከም ልሙድ ኣብ ዘተ ፕሪቶርያ እውን በይኑ ተሳቲፉ፡፡ ህወሓት ንዝርርብ ፕሪቶርያ ብዋናነት ንውድብ ህወሓት ካብ ሙሉእ ሞት ብምድሓን፡ ከም መሰኩዒ እስትንፋስ ዝተጠቐመሉ እምበር ረብሓ ትግራይ ዝጠመተ ኣይነበረን፡፡ ብውፅኢቱ ድማ ክሳብ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው ዝበፅሕ ረብሓ ትግራይ ኣረኪቡ ተመሊሱ እዩ፡፡

1.1 ሓፈሻዊ ርድኢት ስምምዕነት ፕሪቶርያ

➢ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተገበረ፣ ዓለም ለኸ ሓይሊታት ዝደፍእዎ፣ ውድብና ግና ዘይተሳተፈሉ ስምምዕነት ስለዝኾነ ብድሕሪቱ ዘሎ ድሌትን ዕላማን ውድብና ብሙሉእነት ዝፈልጦ ኣይኮነን፡፡

➢ስምምዕነት ፕሪቶርያ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዘልዕልዎ ናይ ገባቲነት ሕቶ፡ ‘ብሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ መሰረት ይፍታሕ’ ብምባል መሬት ዓዲ’ቦ ናብ መሻኾቲን መካትዒን ብርኪ ክወርድ ዝገበረ እዩ፡፡ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ጀኖሳይድ ዝፈፀሙ ገበነኛታት ዝቕፅዕሉ፣ ንበደሎም ኣፍልጦ ብምሃብ ይቅርታ ዝሓትሉ፣ ንዝበፀሐ ጉድኣት ካሕሳ ዝኸፍልሉ ብሓፈሻ ፍትሒ ንምርግጋፅ ዘኽእል ዝተዋደደ (Comprehensive) ፍኖተ ካርታ የብሉን፡፡ ብህዝበ ውሳነ ዝረጋገፅ ሕቶ ሃገርነት ኣይምልስን፡፡ ኣብቲ ኩናት ዝተሳተፉ ኩሎም ኣካላት ዝሓወሰ ስምምዕነት ስለዘይኮነ ኣብዚ ቀጠና ዘላቒ ሰላም ንምፍጣር ዝግድብ ሓጓፍ ኣለዎ፡ ፡ ብድምሩ ህወሓት ምድሓን ህልውና ውድባ ኣብ ቅድሚት ሰሪዓ ዝተደራደረትሉ ውዕሊ እዩ፡፡

➢ብዓይኒ ፖለቲካዊ ትርፊ እንትግምገም ድማ እቲ ውዕሊ ብዋናነት ንረብሓ ክልቲኦም ተወዓዓልቲ ወገናት ዘኽበረ እዩ። ዝተወሰኑ ዓንቀፃት ከም ኣብነት ንምጥቃስ

ዓንቀፅ 7(1) (a) ግቡኣት ህወሓት ከም ዝስዕብ የቐምጥ

“The TPLF shall respect the constitutional authority of the Federal Government . . ” ጥረ ትርጉሙ “ህወሓት ናይ ፌዴራል መንግስቲ ሕገ መንግስታዊ ስልጣን የኽብር።”

ንኡስ ዓንቀፅ    (f) ድማ “TPLF shall cease all attempts of bringing                       about unconstitutional change of government” ጥረ ትርጉሙ “ህወሓት ካብ ሕገ መንግስታዊ መስርሕ ወፃኢ ናይ መንግስቲ ለውጢ ንምምፃእ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ጠጠው የብል፡፡”

ዓንቀፅ 7(2) c) ድማ “The government of FDRE shall facilitate the lifting of the terrorist designation of the TPLF by the house of peoples’ representatives”. ጥረ ትርጉሙ “መንግስቲ ፌዴራል ንህወሓት ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዳዊነት የውፅእ” ዝብል ኾይኑ፡ ብተወሳኺ ዓንቀፅ 10(1) “… The establishment of an inclusive regional administration will be settled through political dialogue between the Parties…” እንትብል ንረኽቦ ኾይና “ሓቛፊ ጊዚያዊ መንግስቲ ብዘተ ክልቲኦም ወገናት ይጣየሽ” ዝብል ሓርፋፍ ትርጉም ድማ ይህበና።

እዞም 4 ዓንቀፃት እዚኣቶም ህወሓት ናይ ብልፅግና መንግስትነት ኣፍልጦ ክትህብን ስልጣን ማእኸላይ መንግስቲ ከይትትንክፍን ውሕስና ዝህብ እንትኸውን፡ ብልፅግና ድማ ንህወሓት ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዳዊነት ከውፅእ ውሕስና ዝህብ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ክልቲኦም ውድባት ተዛትዮም ሓቛፊ ጊዚያዊ መንግስቲ ከጣይሹ ይእንፍት፡፡ ካብዚ ተበጊስና ድማ፡ ህወሓት ንኻልኦት ውድባት ይኹን ዝምልከቶም ኣካላት ብምጉናይ ውድባዊ ፀቢብ ረብሕአለ ዘረጋግፅ ስምምዕነት ጌሩ ምባል ንኽእል።

ካብዚ ብምብጋስ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተገበረን ዘይተሳተፍናሉን ስለዝኾነ፡ ‘ተቐቢልና ወይ ኣይተቐበልናዮን’ ክንብል ግቡእ የብልናን ዝብል መርገፂ ሒዙ እዩ፡፡ እቲ ስምምዕነት ኣብ ትግራይ ዝህልዎ ፅልዋ ዓቢዪን ሰፊሕን ስለዝኾነ ግን፡ ምፍራም እቲ ስምምዕነት ዕላዊ ምስ ኮነ ስዒቡ፡ ብመንፅር ውድባዊ መትከልናን ዕላማታትናን መዚንና መግለፂ ሂብናሉ ኢና። ውድብና ኣብ ኣቀዋውማ ጊዚያዊ መንግስቲ ዘቕርቦ እማመ ካብ ናይቲ ውድብ መትከልን ዕላማታትን ብምብጋስ ዘቕርቦ ዘሎ ኣማራፂ እማመ እምበር ኣብ ሓፁር ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተቐየደ ከም ዘይኮነ ምግንዛቡ ድማ የድሊ፡፡

2. ኣድላይነትን ኣውራ ዕላማታትን ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ

2.1 ኣድላይነት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ

ውድብና ህወሓት ንበይኑ መንግስትነት ክመርሕ ሕጋዊ፣ ፖለቲካዊን ሞራላዊን ቅቡልነት ስለዘይብሉ፡ ዓቕሚ ኩሎም ተጋሩ ዝጥቀምን ንኹሉ ዝሓቖፈ ስግግር መንግስቲ ምጥያሽን ኣድላይ ምዃኑ ካብ የካቲት/2014 ጀሚሩ መርገፂ ሒዙ ፃውዒት እናቕረበ ዝፀንሐ ምዃኑ ይዝከር፡፡ ትግራይ ሐዚ ናብ ናይ መንግስትነት ሓጓፍ ሕቶ ኣትያ ስለዘላ፣ ትግራይ ድማ ብዘይመንግስትነት ክትቀውም ስለዘይትኽእል ውድብና ውድብ ሳወት ነዚ መድረኻዊ ሕቶ ዝምልስ እማማ ሒዙ ክቐርብ ግድን ኮይኑ ኣሎ፡፡ ስለዚ ምጥያሽ ጊዚያዊ መንግስቲ፦

➢ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ግዝያዊ ናይ ሕጋዊ መንግስትነት ሓጓፍ ክምለስ ስለዘለዎ

➢ትግራይ ኣትያቶ ካብ ዘላ ፀጥታዊ ቅልውላው ኣህዲኡ ናብ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ዘሰጋግር መንግስቲ ስለዘድሊ ➢ናብ ብመረፃ ዝጣየሽ ሕጋዊ መንግስቲ ዘሰጋግር ግዝያዊ መንግስቲ ምጥያሽ ኣድላይ ስለ ዝኾነ

➢ስሩዕ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዝህብ መንግስታዊ ኣካል ኣብ ትግራይ ክህሉ ስለዝግባእ ➢ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖምያዊን ማሕበራዊን ሕውየትን ስግግርን ዝፍፅም መንግስቲ ስለዘድሊ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ናብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን፡፡

2.2 ኣውራ ዕላማታት ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ እቶም ዝፈረሙ ኣካላት ዝፍፀም ስምምዕነት ከም ዝኾነ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ናይ ውድብና ዕላማታትን መትከላትን ዝፍልፍሉ ሓደሽቲ መዛተይ ነጥብታት ከልዕል ግቡኡ እዩ፡፡ ውድብና ኣብቲ ዝጣየሽ ጊዚያዊ መንግስቲ ንምስታፍ ዝውስን ብመንፅር መትከላቱ መዚኑ እንትኸውን፡ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ መንግስትነት ንምትካል ኣብ ዝግበር ዘተ ድማ፦

. ፖለቲካዊ ሕውየት፦ ትግራይ ንዘመናት ኣብ ተደጋጋሚ ፖለቲካዊ ውድቀታት ዝፀንሐት ዓዲ እያ፡፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ውድቀታት ድማ ስፍሪ ዘይብሎም ዕንወታትን ውድቀትን ክትስከም ተገዲዳ እያ፡፡ ጊዚያዊ መንግስቲ እዚ ናይ ውድቀት ምዕራፍ ከምቢትና፡ ናብ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ምዕራፍ ንምእታው ከም መበገሲ ክንጥቀመሉ ይግባእ፡፡ ስለዚ ቅድሚ ሐዚ ዝነበራ ፖለቲካዊ ትካላት፣ ፖለቲካዊ ተሳትፎ፣ ከይዲ ፖለቲካዊ ውሳነ ወሃቢነት ተፈቲሹ ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊ ሕውየት ክፍጠር ኣውራ ዕላማ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ይኸውን። ብሓፈሻ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ካብ ነዊሕ ዘመን ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዝፀንሐ ፖለቲካዊ ውድቀት ትግራይ ካብ ሱሩ ንምዕራይ ዕድል ዝፈጥር መድረኽ ጊዚያዊ መንግስቲ ክኸውን ይጠልብ፡፡

. ሕውየት ኣብ መሓውርን ኣሰራርሓን ፀጥታን ድሕንነትን፦ ጊዚያዊ መንግስቲ ኣብዚ ዓውዲ እዚ እውን ብተመሳሳሊ መሰረታዊ ሕውየት ክገብረሉ ዝግባእ እዩ፡፡ ኣብ ኣቀዋውማን ኣሰራርሓን ፖሊስ፣ ፍሉይ ሓይሊን ካልኦት ፀጥታ ኣካላትን መሰረታዊ ሕውየት ብምርግጋፅ ኣብ ትግራይ ዘላቒ ምርግጋዕን ሰላምን ምፍጣር ሓደ ካብቶም ኣውራ ዕላማታት ጊዚያዊ መንግስቲ ክኸውን ውድብና ከም ሓደ መትከል ዝዕትዕቶ ይኸውን፡፡ እዞም ኣካላት ንዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዘይውግን ብሄራዊ ዕላማ ዝተሓንገጡ ትካላት ክኾኑ ዘኽእል ሕውየት ክግበር ይግባእ፡፡

. ሕውየት ኣብ ሕጊን ፍትሒን፦ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝወፁ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ኩነታት ፀጥታን/ድሕንነትን ኣሰራርሓ ኣብያተ ፍርድታትን ዝጥምቱ ኣዋጃት፣ ደንቢታትን መመርሒታትን ተሪፎም ክሳብ እዋን መረፃ ቅድሚ ኩናት ዝነበሩ ስሩዓት ሕጊታት ክቕፅሉ ይግባእ ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ጉዳይ ምርግጋፅ ፍትሒ ማለት እውን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ዝምራሕ ምርመራ ገበን ክቕፅል ፣ ናይ ስግግር ፍትሒ ፍኖተ ካርታ ክወፅእ ኣውራ ዕላማ ጊዚያዊ መንግስቲ ይኸውን፡፡

. ሕውየት ኣብ ዓውዲ ቁጠባ፡ ቁጠባዊ ትካላት ትግራይ ካብ ኢድ ቁፅፅር ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ወፂአን፡ ነተን ትካላት ብዝምጥኑ ሰብ ሞያ(PROFESSIONALS) ክምርሓ ምግባር ሓደ ዓብይ ትኹረት ጊዚያዊ መንግስቲ ይኸውን፡፡ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ሓገዛት ድሕረ-ኩናት ህንፀትን ሕውየትን ( post-war reconstruction)፣ ካብ ደገ ዝምወሉ ሓገዛት ሰብኣዊ ረድኤትን ከምኡ ድማ ዓቕሚ ግዝያዊ መንግስቲን ዘካይዶም ናይ ሪፎርም ከይዲታትን ዝድግፉ ዓውዲታት ዝመርሕ ይኸውን፡፡

. ሕውየት ኣብ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ፦

ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰፊሕ ክፋል መሬታን ህዝባን ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓይሊታት ወዲቑ፡ ግዝኣታዊ ሓድነታ ናብ ሓደጋ ካብ ዝኣቱ ድማ ፀኒሑ ኣሎ፡፡ ብፍላይ ዓዲ’ቦኡ ገዲፉ ፎቖድኡ ተሰዲቱ ዝተበታተነ ህዝቢ ትግራይ ናብ መረበቱ ዝምለሰሉን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ዝኽበረሉን ኩነታት ክፍጠር ይግባእ፡፡

. ሕውየት ኣብ ብሄራዊ ስምረት ትግራይ፦

ውድብ ሳወት ብፍሉይ ጠጠው ዝበለሉ ዓንዲ ብሄራዊ ሰምረት ተጋሩ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡ እዚ ድማ ሳወት ካብ ዝኽተሎ ርዕዮተ ዓለም ሶሻል ዲሞክራሲ ይብገስ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሄራዊ ስምረት ተጋሩ ንምርግጋፅ፡ ብቀዳማይ ደረጃ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖምያዊን ማሕበራዊን ትካላት እዚ ዝጣየሽ ጊዚያዊ መንግስቲ ንኹሎም ዜጋታት ብማዕረ መለክዒታት ዘተኣናግዳ፣ ልዕልነት ሕጊ ዘረጋግፃ ክኾና ይግባእ፡፡ ካልኣይ ድማ ኣብዚ ጊዚያዊ መንግስቲ ዝጓነ ዝኾነ ትግራዋይ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክህሉ ኣይግባእን። ስለዚ እዚ ጊዚያዊ መንግስቲ ብሄራዊ ስምረት ተጋሩ ዝረጋገፀሉ መድረኽ ክኸውን ስለዝግባእ ኩሎም ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ሓይሊታት ዘሳተፍ ክኸውን ይግባእ፡፡ ከም ተጋሩ ሕሉፍ ከይዲ ምጉናይን ምጥልላፍን ዓፂና ኣብ ፅላል ሰፊሕ ብሄራዊ ስምረት (National Solidarity) ክንዓቁብ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብመሪሕነት ዝሰርሐሉ ዋኒን እዩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብፍትሓዊን ዲሞክራስያዊን መረፃ ህዝቢ ዝመረፆ ፖለቲካዊ ውድብ መሪሕነት መንግስቲ ይጭብጥ፡፡ ኩሉ ድምፂ ህዝቢ ኣኽቢሩ ብሕጊን ስርዓትን ይምራሕ፡፡ ካብ ምጉናይን ኣፈላላይን ወፂኡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ፅላል ሕጊን መንግስታዊ ትካላትን ትግራይ፡ ንትግራይ ኣስተዋፅኦ ዝገብረሉ ምዕራፍ ይኽፈት፡፡

3. ቅዋም ሳወት ኣብ ሓፈሻዊ ኣከያይዳ (process)፡ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ

3.1 ምጥያሽ ኮሚቴ

ከይዲ ምጥያሽ ግዚያዊ መንግስቲ ኣብ ውፅኢት ዓቢይ ፅልዋ ኣለዎ፡፡ ንኹሎም ሓይሊታት ትግራይ ዝሓቖፈ ግዞያዊ መንግስቲ ንምጥያሽ ድማ ንኹሎም ሓይሊታት ዝወከለ መጣየሺ ኮሚቴ ክመርሖ ይግባእ፡፡ ስለዚ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ብማዕረ ዝውክልዎም፣ መንጎኛ ሊሂቃንን ማሕበራትን ትግራይ ዝሓቖፈ መጣየሺ ኮሚቴ ክቐውም ኣለዎ፡፡ እዚ ኮሚቴ ዝስዕብ ስልጣንን ሓላፍነትን ይህልዎ።

1. ኣብቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዝሳተፉ ኣካላት ይፈሊ፡

2. ክፍፍል ሓላፍነት፣ ኣገባብ ኣመራርፃ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ዘሎ መሪሕነት፣ በቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዝምርሑ ትካላት ይንፅር፡

3. ንምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ኣድለይቲ እዮም ኢሉ እቲ ኮሚቴ ዝኣመነሎም ጉዳያት ይዘራረብ፣ ይንፅር፡

በዚ መሰረት ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይውክሉኒ ዝብሎም ኮሚቴ ከጣይሽ እዩ፡፡ ምስ ኩሎም ውድባት ዘጣይሸኦም ኮሚቴታት ናይ ሓባር መድረኽ ፈጢሮም ወይ ተሓዊሶም ድማ ኮሚቴ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ይኾኑ፡፡

4. ቅዋም ሳወት ኣብ ኣቀዋውማ (Composition) ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ

ኣብ ትግራይ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ   ብመሪሕነት አቐዲሙ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ስርዓት ዝጣየሽ (Care taker Government) ወይ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ ስርዓት ሙሉእ ብሙሉእ ኣፍሪሱ ከም ሓዱሽ መንግስቲ ዝምስረተሉ ከይዲ ኣይኮነን፡፡ ንኹሉ ዝሓቖፈ ጊዚያዊ መንግስቲ ዝጣየሸሉ ከይዲ እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝጣየሽ ጊዚያዊ መንግስቲ ዝሳተፉ ኣካላት ማሕበራዊ መሰረቶም ትግራይ ዝኾኑ ውዳበታትን ነዚ ግዝያዊ መንግስቲ ክጣየሽ ዓብይ ግደ ዝተፃወቱ ደጋዊ ሓይሊታትን ከም ሰብ ብፅሒት ክጥቀሱ ይኽእሉ።

➢ማሕበራዊ መሰረተን ትግራይ ዝኾና ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ➢ሰራዊት ትግራይ

➢ሊሂቃን፣ ዲያሰፖራ፣ ሲቪልን ስቪክን ማሕበራት ተጋሩ ➢መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዓለም ለኸ ትካላትን ፅልዋ ዝነበረንን ሃገራት

እዞም ኣካላት ኣብዚ ዝጣየሽ ጊዚያዊ መንግስቲ ነናይ ባዕሎም ግደን ድሌትን ክህልዎም እዩ፡፡ ግዝያዊ መንግስቲ ንምጥያሽ እንትሕሰብ ተሳትፎ ናይዞም ሰብ ብፅሒት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግባእ። ኣብቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዝህልዎም ብፅሒት ተሳትፎ፣ ዝወሃቦም ሓላፍነት፣ ኣገባብ ኣወሃህባ ውሳነ ብግልፂ ክፍለጥ ይግባእ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ግዝያዊ መንግስቲ ከም ሓደ መድረኽ ምዕንባብ ብሄራዊ ስምረት ተጋሩ ክኸውን ስለዝግበኦ፡ ካብ ብሄራውያን ውድባት ወፃኢ ዘለው ኩሎም ፖለቲካዊ ውዳበታትን ሊሂቃትን ተጋሩ ክሳተፍሉ ይግባእ፡፡ኣቀዋውማ ግዝያዊ መንግስቲ ብሄራዊ ስምረት ተጋሩ (National Solidarity) ማእኸል ዝገበረ ክኸውን ይግባእ፡፡ ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ብባህሪኡ ዝተፈላለዩ ፀገማት ትግራይ ኣብ ምፍታሕ እምበር ስልጣን ንተናሓናሕቲ ሓይሊታት ኣብ ምክፍፋል ዘድሃበ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ግዝያዊ መንግስቲ እንትሕሰብ ኣብ ኣቀዋውማኡ ነዞም ዝስዕቡ መትከላት ኣብ ግምት ዘእትው ክኸውን ይግባእ።

4.2 መትከላት ኣቀዋውማ (Pillars for Composition)

) ስራሕቲ እቲ ጊዚያዊ መንግስቲ ልዕልነት ሕጊ ብዘኽብር (Rule of law)፣ ውፅኢታዊን(effectiveness) ኣሳታፊን (participatory) ብዝኾነ መልክዑ ዝሰርሕ ኣካል፦

ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖምያዊን ፀጥታዊን ኩነታት ስለ ትርከብ፡ ነዚ ከቢድ ፀገም ክፈትሕ ዝኽእል ዝለዓለ ሞያዊ ብቕዓትን ድልውነትን ዘለዎ መሪሕነት የድልያ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ መዳይ ፖለቲካዊ ኣንፈታት ውፅኢታዊ ስራሕቲ ንምስራሕ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ክእለት ዘለዎም ፖለቲከኛታት እውን የድልዩ፡፡ ስለዚ ግዝያዊ መንግስቲ ሽቶኡ ክወቅዕ እንተኾይኑ ዝለዓለ ሞያዊ ብቕዓት ዘለዎም ቴክኖክራት ውልቀ ሰባትን ዝለዓለ ፖለቲካዊ ብቕዓት ዘለዎም ፖለቲከኛታትን ክመርሕዎ ይግባእ፡፡

) መንግስታዊ መሓውር ተጠቒሙ ቀፂሉ ኣብ ዝግበር መረፃ ፅልዋ ብምሕዳር ንመንፀፍ ዲሞክራስያዊ ስግግር ትግራይ ዘይጎድእ ኣካል፦

መንግስታዊ መሓውር ግዝያዊ መንግስቲ ዝቆፃፀሩ ኣካላት ንቡዙሓት ሓይልታት ዝወከሉ እንተኾይኖም ኣብ ምዕዋት ዕላማታት እቲ ግዝያዊ መንግስቲ የድህቡ፡፡ ብኻልእ መዳይ ትግራይ በዚ ጊዚያዊ መንግስቲ ክተንፅፎ ዝግባእ እምነ ሰረት ዲሞክራስያዊ ስግግር ብምስራት ፍትሓዊ መረፃ ክካየድ ይገብር፡፡ ትግራይ ቅቡልነት ዘለዎ ዲሞክራስያዊ መንግስቲነት ንምህናፅ እዚ ዕድል ከም መፈለሚ ክትጥቀመሉ ይግባእ፡፡ ነዚ ድማ ዝለዓለ ሞያዊ ብቕዓትን ድልውነትን ዘለዎም ሞንጎኛ ቴክኖክራታት ሓዊሱ ዝቐውም ጊዚያዊ መንግስቲ ምጥያሽ ብዝሐሸ መልክዑ ናብ ናፃ፣ ፍትሓዊን ዲሞክራሲያዊን መረፃ ከሰጋግር ይኽእል፡፡

) ንውሳነ ማእኸላዊነት ኣብ ግምት ዘእተወ፦

ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ውሳነታት ከሐልፍ ስለ ዝግደድ፡ ውሳነታት ብኣብዘሓ ድምፂ ንምውሳን ዘኽእል ኣቀዋውማ ክህልዎ ኣለዎ፡፡ ፖለቲካዊ ውድባት ጥራሕ ብማዕረ ዝውከላሉ ጊዚያዊ መንግስቲ ብፍላይ ኣብ ተኣፈፍቲ ጉዳያት ነናይ ባዕለን ፖለቲካዊ ድሌት ንምኽባር ክሰርሓ ይኽእላ እየን፡፡ ስለዚ ኣብ ኣወሃህባ ውሳነታት ሉኩት ኩነት (Deadlock) ክፍጠር መንገዲ ዝፀርግ ኣቀዋውማ ከይፍጠር ብኣጋኡ ክርአ ኣለዎ፡፡ ኣብ ኣወሃህባ ውሳነታት ልኩት ኩነት (Deadlock) ንዕላማታት ግዝያዊ መንግስቲ ስለዝጎድኦ ካብ ፖለቲካዊ ጥርናፈ ናፃ ዝኾነ ኣካል ኣብቲ ጊዚያዊ መንግስቲ ናይ ድምፂ (Vote) ዓብላልነት ክህልዎ ይግባእ፡፡

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ረብሓ ትግራይ ኣሚቱ ዝሰርሕ ውድብ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ውድብና ስራሕቱን ኣማራፂ ሓሳባቱን ብዝግባእ ብምድላው ኣብ ትግራይ ቀፃሊ ናፃን ዲሞክራስያዊን መረፃ ተገይሩ ስዒሩ ክወፅእ ይደሊ፡፡ እዚ ሐዚ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ግና ከም ናብ ለውጢን ሕውየትን መሰጋገሪ ገይሩ ስለ ዝወስዶ ብዋናነት ብዝለዓለ ሞያዊ ብቕዓት ዘለዎም ሞንጎኛ ቴክኖክራታት ክምራሕ ይደሊ፡፡ ይኹን እምበር  ኣብ ግዝያዊ መንግስቲ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ስራሕ ዘሳልጡ ፖለቲከኛታት ኣድለይቲ ስለ ዝኾኑ፡ ካብ ኩለን ውድባት ብማዕረ ዝውከሉ ብቑዓት ፖለቲከኛታት ክሳተፉ ምግባር እውን ኣድላይ ምዃኑ ይኣምን፡፡

4.2 ግደን ብፅሒትን ውድባት ፖለቲካ፣ ማሕበራትን ካልኦት ሊሂቃትን ትግራይ

ኣብ ትግራይ ንምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ምኽንያት ዝኾነ ደፋኢ ኩነታት ፍልይ ዝበለ ባህሪ ኣለዎ፡፡ ኣብ መንጎ ውሸጣዊ ፖለቲካዊ ይኹን ወታደራዊ ሓይሊታት ትግራይ፡ ብሓይሊ መልጢ ዝተዓጀበ ጎነፅን ክፍፍልን ስለዘይነበረ፡ ግዝያዊ መንግስቲ ንምምስራት ጭቡጥ ባይታ ዝፈጠረ ድፍኢት ደጋዊ ሓይሊታትን መንግስቲ ኢትዮጵያን እዩ፡፡ ስለዚ ቀንዲ ዕላማ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ሓይሊታት ትግራይ ዝነበረ ጎንፂ ንምህዳእ ዘይኮነስ ኣብ ትግራይ ዘላቒ ሰላምን ስግግር ዲሞክራሲን ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ፡፡

ስለዚ ኣብ ትግራይ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ በዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ 3 (ሰለስተ) መትከላት ብምድራኽ መጠን ተሳትፎ ሰብ ብፅሒት (Stakeholders) ክውሰን ይግባእ፡፡ በዚ መሰረት ኣብ ትግራይ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ 60% ካብ ኩለን ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ውድባት ብማዕረ ዝውከሉ ፣ 20% ዘይፖለቲካዊ ውዳበታት (ስቪክ ማሕበራት፣ ምሁራንን ዲያስፖራን)፣ ዝተረፈ 20% ድማ ካብ ተወከልቲ ሰራዊት ትግራይ ዝመርሕዎ ኾይኑ፡ ሓንፈፅ (Hybrid Composition) ክኸውን ይግባእ፡፡ እዚ ዝምስረት ግዚያዊ መንግስቲ ድማ ሽሙ “መንግስቲ ብሄራዊ ስምረት (Government of National solidarity)“ ዝብል ይኸውን::

4.2.1 ኣመራርፃ መንጎኛ ሙሁራት፣ ቴክኖክራታትን ሲቪል ማሕበራትን

) መጣየሽቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዝተወከልሉ መስርሕ ብምኽታል፡ ኩለን ኣብቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዝሳተፋ ውድባት መንጎኛ ተጋሩ ሙሁራትን ቴክኖክራታትን ዝምልከት ነናይ ባዕለን ጥቆማ ብማዕረ ቁፅሪ ሒዘን ክቐርባ ምግባር እቲ ዝሐሸ ኣማራፂ እዩ፡ ፡ እዘን ውድባት ካብ ውድባዊ ውግንና ዘይብሎም ንኣብነት ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ ዝውከሉ ዳያኑ ቤት ፍርዲ (ንክልልን ዞባን ኣብያተ ፍርዲ ኣመራርሓ ፕረዚደንትን ምክትልን ዘይሓውስ)፣ ካብ መምህራን ዩንቨርስቲ፣ ካብ ማሕበር ነጋዶ፣ ኣብ ደገ ካብ ዝርከቡ ከም GSTS፣ ማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ ወዘተ ዝበሉ ሲቪልን ሲቪክን ማሕበራት፣ ኣብ ናይ ኢንዱስትሪን ልምዓትን ትካላት ካብ ዝሰርሑን ክሰርሑ ካብ ዝፀንሑን ዝለዓለ ብቕዓት ዘለዎም ተጋሩ ወዘተ ዝውከልሉ ናይ ቴክኖክራት መሓውር ንምፍጣር ዘኽእል ኣመራርፃ ይስዕባ፡፡

) ካብ ኩሎም ሲቪክ ማሕበራት፣ ሙሁራን፣ ከም ቤት ፍርዲ ዝበሉ ናፃ መዋቕራት በዓልቶም መሪፆም ምስ ለኣኹ ብድምፂ ተወከልቲ ውድባት ይፍለዩ፡፡ 2/3 ድምፂ ተወከልቲ ውድባት ዝረኸቡ ሰባት ኣብ ሓላፍነት ጊዚያዊ መንግስቲ ድማ ይኣትው፡፡

ሐ) ሕጊ መውፅኢ ካውንስል

ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ናይ ባዕሉ ካውንስል ክህልዎ ይግባእ። ነቲ ፈፃሚ ወይ ካቢኔ ዝቆፃፀርን ኣድለይቲ ሕግታት ዘውፅእን ካውንስል ካብ ውድባትን ዘይሻራዊ ኣካላትን ዝጣየሽ እዩ። ኣብዚ ትካል ወድባት ብማዕረ ክውከላ ይግባእ። እዚ ካውንስል ውድባትን ዘይሻራዊ ኣካላትን ነቲ ግዝያዊ መንግስቲ ንክቆፃፀሩን ሕቶ ህዝቢ ብኣግባቡ ንከስምዑን ዝሕግዝ ይኸውን።

እዚ ኣቀዋውማ ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ ዘሎ መዋቕር መንግስቲ ትግራይ ዝምልከት እንትኸውን፡ ኣብ ጣብያታትን ቁሸታትን ግና ህዝቢ ባዕሉ ብቐጥታ ዝመርፆም መንጎኛ ሰባት ይኾኑ።

4.1.2 ኣመራርፃ ወከልቲ ሰራዊት ትግራይ

ሰራዊት ትግራይ ከም ትካል ህልውናኡ ዝቐፀለ ኣይኮነን፡፡ ይኹን እምበር ኣብዚ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ክውከሉ ካብ ዝግበኦም ኣካላት ሓደ እዩ፡፡ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ረብሓን ጥቕሚን ሰራዊት ትግራይ ንምርግጋፅ፡ በቲ ሰራዊት ተመሪፆም ነቲ ሰራዊት ወኪሎም ክመፁ እናተገበኦም ምስ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ተደሪቦም፣ ምስ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ መኺሮም፣ ብሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ተወኪሎም ምምፃኦም ኣግባብነት የብሉን፡፡ ብሰራዊት ትግራይ ተመሪፅካን ንሰራዊት ትግራይ ወኪልካን ምምፃእ፡ ዘኹርዕን ብኹሉ ወገን ዘኽብርን እናሃለወ ምስ ህወሓት ተደሪብካ ምምፃእ፡ ነቲ ብብዙሕ መለክዒ ፍናን ተጋሩ ዝኾነ ሰራዊት ትግራይ ዝምጥን ኣይኮነን፡፡

ካብ ምስ ህወሓት በይኑ ዝዘተዩን ዝተወከሉን ኣባላት ሰራዊት ወፃኢ ዘለው፡ ኩሎም ኣብ ስራሕ ዘለው፣ ኣካሎም ኸፊሎም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝርከቡን ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ክውከሉ ይግባእ፡፡ እዞም ተወከልቲ ብቐጥታ መረፃ ኣባላት ሰራዊት ዝውከሉ፣ ካብ ኮሚሳርነትን ውግንናን ሓደ ፖለቲካዊ ፓርቲ ናፃ ዝኾኑን ክኾኑ ይግባእ፡፡ በዚ መንገዲ ድማ 20% ናይቲ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ተሳትፎኦም ክረጋገፅ ይግባእ፡፡

4.2 ግደን ብፅሒትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን

መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝለዓለ እጃም ዝነበሮም ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ኣብ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ዘለዎም ፅልዋ ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተገዲቡ ሓገዛትን ተሳትፎን ክገብር፡ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ድማ ኣብ ትግራይ ንዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ናይ ምድጋፍን ምትሕብባርን ግደ ክህልዎም ይግባእ፡፡ ይኹን እምበር እዞም ኣካላት ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ብዝፃባእ መልክዑ ተሳትፎ ክህልዎም ኣይግባእን፡፡ ውድብና ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ብሙሉእነት ዘኽብር ግዝያዊ መንግስቲ ክጣየሽ ኣለዎ ዝብል ሓደ ዘይደራደረሉ መትከሉ እዩ፡፡ ካብ ኢድ ተጋሩ ወፂኡ ብካልኦት ኣካላት ዝጣየሽን ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ዝፃባእን ግዝያዊ መንግስቲ ግና ሳወት ዝሳተፈሉ ኣይክኸውንን፡፡

ስለዚ ግደ እዞም ኣካላት

➢ኢኮኖምያዊን ፖለቲካዊን ዓቕሚ ግዝያዊ መንግስቲ ንምህናፅ ድጋፍ ምሃብ፡ ➢ናይ ፀጥታን ድሕንነትን ዋሕስን ደገፍን ንዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ምሃብ፡

➢ኣብዚ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ዝሳተፉ ኣካላት ናብ ሙሉእ ስምምዕነት ክበፅሑ ድጋፍ ምሃብ፡ ➢ዘይምቅዳው እንተጋጥም መፍትሒ መንገዲታት ብምእላሽን ጭቡጣት ተፅዕኖታት ብምፍጣርን

ምድጋፍን፡

ካልኦት ተመሳሰልቲ ሓገዛትን ምትሕብባራትን ኣብ ምሃብ ዝተደረተ ክኸውን ይግባእ፡፡

4.3 ግደን ብፅሒትን ሰራዊት ትግራይ

ሰራዊት ትግራይ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እቲ ዝዓበየ ብፅሒት ዝወስድ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡ ሰራዊት ትግራይ ከም ትካል ዋላኳ እንተዘይሃለወ ነቲ ኣብ ቃልሲ ዝፀንሐ ሰራዊት ዝውክሉ ሰባት ግና ኣብቲ ግዝያዊ መንግስቲ ክሳተፉ ይግባእ፡፡ ብፍላይ ንዝኾነ ውድብ ውግንና ዘይብሎም ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ክሳተፉ ዕድል ክኽፈት ኣለዎ፡፡ ምስታፍ ሰራዊት ትግራይ

✓ረብሓን ጥቕሚን ውጉኣት ኩናትን ካብ ሰራዊት ዝተመለሱን፡ ከምኡ ድማ ረብሓ ስድራ ስዉኣት ኣብ ምርግጋፅን ፀገሞም ኣብ ምፍታሕን ዓብይ ግደ ኣለዎ፡፡ ዋላኳ ዋኒን ውጉኣት ኩናት፣ ካብ ሰራዊት ዝተመለሱ ይኹን ስድራ ስዉኣት ናይ ኩሉ ትግራዋይ እንተኾነ ብፉሉይ ግና ካብ ባዕሎም ተወካሊ እንትህሉ ዝበለፀ ይኸውን፡፡

✓ኣብ ዓውዲታት፣ ቢሮታት ድሕንነትን ፀጥታን ትግራይ ዝሐሸ ኣበርክቶ ክህቡ ስለ ዝኽእሉ ተሳትፎ ሰራዊት ትግራይ ኣድላይ እዩ።

5. ቅዋም ሳወት ኣብ ሓላፍነትን (Mandate) ፃንሒት ግዘን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ

ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝጣየሽ እዩ፡፡ እዚ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ስርሑ በቲ ቅድሚ መረፃ ትግራይ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ሕገ መንግስቲ ትግራይ፣ ኣዋጃትን ካልኦት ሕጊታትን መሰረት ዘሳልጥ ይኸውን፡፡ ግዝያዊ መንግስቲ ዝሰርሐሉ ሕጋዊ ባይታን (legal framework) ትካላትን (institutions) ካብቲ ቅድሚ ኩናት ዝነበሮ ስለዘይልወጥ ድማ እዚ መድረኽ ሓቀኛ ሱር በቆስ ለውጢ ከምፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን፡፡ብዋናነት ትግራይ ካብ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ናብ ሕጋዊን ብህዝቢ ዝምረፅን ናይ ምስግጋር፣ ካብ ውድቀትን ስእነት ሰላምን ናብ ምርግጋዕን ሕውየትን ዘሰጋግር እዩ፡ ፡ ምርግጋዕን ሰላምን ንምፍጣር፣ ዲሞክራስያዊ መረፃ ንምክያድ ኢሉ እውን ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖምያዊን ማሕበራዊን ለውጢ ንምምፃእ ግዝያዊ መንግስቲ ከም መበገሲ ትካል ክኸውን ተጌሩ ክውደብ ኣለዎ፡፡ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ትግራይ ናይ ለውጢ መበገሲንምጅማር ግዝያዊመንግስቲ ኣብዞም ዝስዕቡ ዓውዲታት ክሰርሕን ሓላፍነትክህልዎን ይጠልብ።

1. ግዝኣታዊሓድነትትግራይ ምርግጋፅ

ህዝቢ ትግራይን መሬቱን ካብ ቁፅፅር ካልኦት ኣካላት ሓራ ብምውፃእ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅ ሓደ ዓቢይ ውራይ ግዝያዊ መንግስቲ ይኸውን፡፡ እዚ ንምትግባር ምስ ፌዴራል መንግስቲን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምዝርራብ ይኸውን፡፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓይሊታት ዝወደቐ ግዝኣት ትግራይ ዝምለስ ምዃኑ እንተነኣሰ ኣብ መጣየሺ ኣዋጅ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ክቕመጥ ይግባእ፡፡ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ                                  ደቡብን ምዕራብን ትግራይ ሓዊሱ ዘመሓድር ይኸውን። ዝተበታተነ ህዝብና ናብ መረበቱ ተመሊሱ ዘመሓድር ጊዚያዊ መንግስቲ ክኸውን ድማ ይግባእ፡፡ ምናልባት መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዘመሓድሮ ቦታ ትሕቲ እታ ቅድሚ ኩናት ዝነበረት ትግራይ ከመሓድር ወይ ድማ ዝተወረረ ቦታና ከይተመለሰ ብካልእ ኣካል እናተመሓደረ ክፀንሕ ዝብል መርገፂ እንተሒዙ ወድብ ሳወት ኣብ ዝተቖራረሰት ትግራይ ኣብ ዝቐውም መንግስቲ ክሳተፍ ፍቓደኛ ኣይክኸውንን፡፡

2. ሕውየትኣብ ዲሞክራስያዊ ትካላትን ዲሞክራስያዊኣሰራርሓን፡

ከም ሓባሲ ንብዓት፣ ትካል ሰብኣዊ መሰላት፣ መረፃ ቦርድ( ትግራይ ጨንፈር) ሲቪል ማሕበራት፣ ሚድያታት ካብ ፖለቲካዊ ውግንና ሓራ ብዝኾኑ ሞንጎኛታት ይምርሑ፡፡ ግዝያዊ መንግስቲ፡ ዲሞክራስያዊ ትካላት ናይ ምህናፅ ስራሕ ሓደ ዕማሙ ይኸውን፡፡

.ሕውየትኣብ ቁጠባዊ ትካላትን ቁጠባዊስራሕቲን –

ኣብ ትግራይ ቁጠባዊ ሕውየት ክፍጠር ዝተፈላለዩ ኢኮኖምያዊ ፖሊሲታት ብምሕንፃፅ ዝትግብር ይኸውን። ኣብ ትግራይ ንጡፍ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ክፍጠር ዘኽእል ባይታ ይፈጥር፡፡ ከም ትእምት ዝበሉ ኢኮኖምያዊ ትካላት ብግዝያዊ መንግስቲ ቁፅፅር ብዝግበረሎም ብቑዓት ሰብ ሞያ ይምራሕ፡፡ እዘን ትካላት ካብ ፖለቲካዊ ውዳበ ናፃ ብዝኾኑ ሰብ ሞያይምርሓ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ስራሕ ዝነበራ ይኹና ሓደሸቲ ዝፍጠራ ኢኮኖምያዊ ትካላት ትግራይ ሕውየትን ስግግርን ክገብራ ብምሕጋዝ፡ ብቐፃሊ ዝለዓለ ተወዳደርቲ ኮይነን ንክወፃ ይመርሕ፡፡ ኢኮኖምያዊ ትካላት ትግራይ ንዜጋታት ስራሕ ክቖፅራን ንግዳዊ ርክብ ክገብራ እንተለዋን፡ ኣብ ብቕዓትን ውድድርን መሰረት ዝገበረ ጥራሕ ክኸውን ግዝያዊ መንግስቲ ይሰርሕ፡፡   ንግድን ኢንቨስትመንትን ክስፋሕፋሕ ምችው ባይታ ምፍጣር ስራሕ ግዝያዊ መንግስቲ ይኸውን።

. ሕውየት ኣብ ፍትሒ ትካላት ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውግንና ነፃ ዝኾኑ ዳያኑን ድጋፍ ወሃብቲ ሰራሕተኛታትን ክህልዎም ግዝያዊ መንግስቲ ይሰርሕ፡፡ ከም ቢሮ ፍትሒ፣ ፀጥታን ድሕንነትን፣ ፖሊስ ክልል ትግራይ ዝበሉ ናይ ፍትሒ ትካላት ድማ ይመርሕ፡፡ ትካላት ፍትሒ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊውድብ ናፃ ኮይነን ናይ ስግግር ፍትሒ ንምርግጋፅ ድልዋት ዝኾናሉ ኩነታት ይፈጥር፡፡ ብፍላይ ኣብዚ ውሽጢ ክልተ ዓመት ካብቲ ዝፀንሐ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ወፃኢዝወፁ ኣዋጃትን መምርሒታትን ተግባራዊነቶም ጠጠው ክብሉ ብምግባር፡ ብሕገ መንግስቲ ትግራይ ኣቐዲሞምብሕጋዊ ቤትምክሪብዝወፁ ኣዋጃትን መምርሒታትን መሰረት ስራሕቶም ክቕፅሉ ይግበር፡፡ ሐ.ለውጢ ኣብ መንግስታዊኣገልግሎት ግዝያዊ መንግስቲ ካብ ቁሸት ክሳብ ክልል ብመንግስታዊ መሓውራት ዝዕመሙ ዝተፈላለዩ መደበኛ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ዝህብ ይኸውን። ኣብ ምሕደራ፣ ሕጊን ፀጥታን ኣብ ምኽባር፣ ዝተፈላለዩ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ማለት እውን ከም ሕክምና፣ ትምህርቲ፣ ማይ፣ መብራህቲ ወዘተ ዝበሉ መሰረታዊ ኣቕርቦታት ለውጢ ብምምፃእ ትግራይ ናብ ዝሐሸ ብራኸ የደይብ፡፡

.ለውጢ ኣብ ማሕበራዊሓላፍነት- ስምረትን ምትሕልላይን ተጋሩ ንምጉልባት ዝሕግዙ ማሕበራዊስራሕቲ ➢ብሰንኪ ኩናት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉተጋሩ ናብ መረበቶም ምምላስ፣

➢ፅንተት ትግራይ ንምክልኻል ናይ ዝተሰውኡ ስድራ፣ ኣካሎም ዝጎደሉን ዝተጋደሉን ተጋደልቲ ትግራይ፡ ግቡእ ክብሪ ዝረኽቡሉን ሂወቶም ዝመርሕሉን ኣገባብ ንምፍጣር ዝጥምትትካል ንምፍጣር ምትሕብባር

➢ብሰንኪ ኩናት ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናትን ጠዋሪ ዝሰኣኑ ወለዲን ዝሕብሐብሉ ኩነታት ምፍጣር

. ምስ ፌዴራል መንግስቲን ክልላትን ዝህሉ ርክብ የቐፅል፦ ንረብሓ ትግራይ ዘሰስን ኢኮኖምያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ርክባት ምስ ፌዴራል መንግስቲ፣ ምስ ክልላት ከምኡ እውን ምስ ጎረባብቲ ህዝብታትይገብር፡፡

. ምስ ዓለም ለኸ ለገስቲ ሃገራትን ትካላትን ርክብ፦ ምስ ዓለምለኸ ለገስቲ ትካላትን ሃገራትን ብምትሕብባር ሓገዛት ክርከቡ ምስራሕ፣ ዝመፁሓገዛት ኣብ ሕውየትን ስግግርን ትግራይ ክውዕሉ ምምራሕን ምቁፅፃርን

. ንሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሓዊሱ ብካልኦት ኣካላት ዝግበሩ ምርመራ ፅንተት ትግራይ ክቕፅልን፣ ብኣግባቡ ስራሕቶም ክሰርሑ ምሕጋዝን ፣ ባዕሉ ምርመራታትን መረዳእታትን ክስንድ ሓላፍነት እዚ ጊዚያዊ መንግስቲ ይኸውን፡፡

6. ፃንሒት እዋን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ

ግዝያዊ መንግሰቲ ዝፀንሐሉ ጊዜ ንምውሳን ኣብ ግምት ዝኣተዉ ኩነታት፦

  • መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ሰላምን ምርግጋዕን ንምፍጣር ዘድሊ ግዜ
  • ንመረፃ ዘፈፅሙ ትካላት እኹል ምድላው ዝገብርሉ ግዜ
  • ኣብ መረፃ ዝሳተፉ ዉድባት እኹል ምድላው ዝገብሩሉ ግዜ

ዝብሉ ኣብ ግምት ክኣቱዉ ኣለዎም፡፡ ተመሳሳሊ ኩነታት ኣጋጢምዎም ግዝያዊ መንግስቲ ካብ ዘጣየሹ ሃገራት ዓለም ዘሎ ልምዲ ግዝያዊ መንግስቲ ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 6 ዓመት ክፀንሕ ይኽእል፡፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ መረፃ ብመረፃ ቦርድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ምዃኑ ይፍለጥ፡፡ እዚ ቦርድ ሓዱሽ ዝጣየሽ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ መረፃ ዘፈፅም ቦርድ መረፃ ብተዛማዲ ኣብ ዝሐሸ ብርኪ ዝርከብ ምዃኑ ሓደ ኣብ ግምት ዝኣቱ ነገር እዩ፡፡ እቲ ካልኣይ መለክዒ ሰላምን ምርግጋዕን ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታትን ጎንፂ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ሓይሊታትን ኣብ ግምት ብምእታው ማእኸላይ ንውሓት ጊዜ ዘድሊ ምዃኑ እዩ፡፡ ኣብ መረፃ ዝሳተፉ ውድባት ዝዳለውሉ ጊዜ ግና ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝተወደቡ ምዃኖም፡ ስዒቡ እውን ኣብ ሃዋህው ኩናት ዝፀንሑ ምዃኖም ኣብ ግምት ብምእታው ንውሕ ዝበለ ጊዜ ከድልዮም እዩ፡፡ እዞም መለክዒታት ከም ረቛሒ ብምውሳድ ግዝያዊ መንግስቲ ካብ 2-3 ዓመት ክፀንሕ ይግባእ፡፡

7. ተስፋታትን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብድሆታትን

7.1 ተስፋታት

ትግራይ ዋላኳ ኣብ ከቢድ ውድቀት ኣትያ እንተሃለወት ሐዚ እውን ግና ብኣግባቡ እንተተጠቒምናሉ ካብ ውድቀት ክትትስእ ዕድል ኣለዋ፡፡

  • ግዝያዊ መንግስቲ ከም እምነ ሰረት ቀፃሊ ዕድል ትግራይ ክርአ ዝኽእል እዩ፡፡
  • ንኹሎም ተጋሩ ብዘሳትፍ መልክዑ ናብ ዲሞክራስዊ ስርዓት ስግግር ክንኣትወሉ ንኽእል ባይታ ክፈጥር ዝኽእል እዩ።
  • ህዝቢ ትግራይናብ ምርግጋዕ፣ ልምዓትን፣ ሕውየትን ስግግርን ገፁ ዘዝረሉ ማዕፆ ናይምኽፋት ዕድል ኣለዎ።
  • ምስ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብፍላይ ምስ ምዕራባውያን ዝህልወና ርክብ ነመዓራርየሉ መድረኽ ድማ ክኸፈት ይኽእል።

7.2 ብድሆታት

➢ግዝያዊ መንግስቲ ንምጥያሹ፡ ግደ ደጋዊ ድፍኢት ዝዓበየ ስለ ዝኾነ ብኡ ልክዕ ድሌት ኢድ ምእታው ክህሉ ይኽእል። መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፈተና ክኣቱ ድማ ይኽእል።

➢ኣብ ትግራይ ኣብ ዝባን ህወሓት ዝተፈጠረ ኢኮኖሚን ፖለቲካዊ ስልጣንን ትግራይ ንነዊሕ እዋን ዝተቖፃፀረ ሓዱሽ ገዛኢ መደብ (NEW CLASS) ኣሎ፡፡ እዚ መደብ ፖለቲካዊን ኢኮኖምያዊን ረብሓኡ ንምቕፃል ክብል ንለውጢን መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይን ከቢድ ዕንቅፋት ዝኾነሉዓብይባይታ ኣሎ።

➢ናይቲ ግዝያዊ መንግስቲ ስራሕን ሓላፍነትን ክፍፍል፣ ምትሕውዋስ፣ ምንኣስ ግልፅነት ፀገምን ውጥጥን ክፈጥሩ ይኽእሉ።

➢ፀላእቲ ትግራይ ኣብ ትግራይ ዘለው ሓጓፋት (fault lines) ተጠቒሞም ኣብ ሞንጎ ተጋሩ ሕድሕድ ኩናት ክውላዕ ድፍኢት ብምግባር ዘላቒ ምብትታን ትግራይ ክገሃድ ክሰርሑ ይኽእሉ፡፡ መንእሰይ ትግራይ ተስፋ ቆሪፁ ክበታተን፣ ትግራይ ኣብ ዕንይንይ ክትነብር ወዘተ ክስራሕ ዝደልዩ ሓይሊታት ክህልው ይኽእሉ። ህወሓት ድማ ቀንዲ ድኹዒ ናይዚ ክትኸውን ትኽእል እያ፡፡

7.3 መፍትሒታት

➢ኣብ ሞንጎ ሰብ ብፅሒት (Stakeholders) ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ተዋዲድካ ምስራሕን ምትእምማንን ክዓቢ ምስራሕ ➢ግልፂ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ዘጎልብት ቅርፂን ኣሰራርሓታትን ምዝርጋሕ።

➢ኣብ ሞንጎ ሰብ ብፅሒት (Stakeholders) ጊዚያዊ መንግስቲ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ጎንፂታት ዝእለይሉ ኣሰራርሓን ትካልን ኣቐዲምካ ምንፃር።

➢ብኣቀዋውማ ግዝያዊ መንግስቲ ስግኣት ዝሓድሮ ሰፊሕ ሓይሊ (faction) ከይፍጠር ልጓም ምትሓዝ። ኩሎም ፖለቲካዊ፣ኢኮኖምያን ማሕበራዊን ለውጢታት ላዕለዋይነት ሕጊ (Rule of Law) ፣ ተሳትፎ ኩሉ ትግራዋይ ዜጋ (participation)፣ ብቕዓትን ዘይሻራዊነትን መንግስታዊ ትካላት (Effectiveness and Independence of Government Institutions) ብዘረጋግፅ መልክዑ ምትግባርን ንህዝቢ ምርዳእን የድሊ፡፡

➢ ህዝቢ ብፍላይ መንእሰይ ኣብ ዓዱ ቀፃሊ ተስፋ ክህልዎ ዝሕግዙ ቅልጡፍ ናይ ልምዓት ስራሕቲ፣ መንግስታዊ ኣቕርቦታት፣ ዲሞክራስያዊ ኣካይዳ ወዘተ ምስላጥ የድሊ፡፡

መጠቓለሊ

ኣብ ትግራይ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ብዋናነት ብድሌት ህወሓት ወይ ካልእ ውሽጣዊኣካል ዝመፀ ኣይኮነን፡፡ ብድፍኢት ደጋዊ ኣካላት ዝተፈጠረ መድረኽ እዩ፡፡ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብወገኑ ኣብ ትግራይ ንኩሉ ዝሓቖፈ ስግግር መንግስቲ ክጣየሽ ቅድሚ ዓመት ጀሚሩ ፃውዒት እናገበረ ፀኒሑ እዩ፡፡ ሐዚ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ መንቀሊ ምኽንያቱ ብዘየገድስ፡ ምስ መትከላትን ዕላማታትን ውድብና ዝሳነ ኣቀዋውማን ልእኽቶን እንተሃልዩዎ ውድብና ተሳትፎ ክገብር ድልዉ እዩ፡፡

ብፍላይ ኣብ ኣመሰራርታ (PROCESS)፣ ብፅሒት (COMPOSITION)፣ ሓላፍነት (MANDATE) እቲ ጊዚያዊ መንግስቲ ብሄራዊ ስምረት ተጋሩ ዘማዕብል ንኹሉ ዝሓቖፈ፣ መሰል ዓርሰ ውሳነ ተጋሩ ዘኽብር፣ ዕላማን ልእኹቶኡን ረብሓ ትግራይ ማእኸል ዝገበረ ክኸውን ውድብና ክቃለስ እዩ፡፡ ትግራይ ካብ ማእኸል ኩናትን ጎንፂን ናብ ሰላምን ምርግጋዕን ክትሰጋገር፣ ናብ ቀፃሊ ዲሞክራስያዊ መረፃ ክትኣቱ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክረጋገፅ፣ ኣብ ኢኮኖምያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ዓውዲታት ሕውየት ክፍጠር፣ ስሩዓት ኣገልግሎት መንግስቲ ክሳለጡ ዝሕግዝ ግዝያዊ መንግስቲ ክጣየሽ ውድብ ሳወት ሓገዙ ክገብር እዩ፡፡ ካብዚ ኣካይዳ፣ ብፅሒትን ዕላማን ወፃኢ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ግና ቀፃሊ ዕድል ትግራይ ዘበላሹ ስለ ዝኸውን ወድብና ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ክሳተፍ ፍቓደኛ ኣይክኸውንን። ውድብ ሳወት እዚ ጊዚያዊ መንግስቲ ከም እምነ ሰረት ኢኮኖምያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ትንሳኤ ትግራይ ኮይኑ ዘገልግል ክኸውን ድማ ይብህግ።

.

UMD Media

View all posts