ለካቲት 26  2015 ዓም

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ቐዳም ለካቲት 26  ድሕሪ ሰዓት ካብ 9 ሰዓት ጀሚሩ እስካብ 4 ናይ ምሸት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ብፈጽሚት ስራሕ ብዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ነዞም ዝስዕቡ 12 ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን 2 ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ንዘይኾኑ ሰባት (መበል 7ን መበል 13) ኣብቲ ዝጣየሽ ዘሎ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ኽመርሁ ኸምዝተወሰነ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ዩኤምዲ ሚዲያ ኣረጋጊፆም፡፡ ኣርባዕት ኣባላት ፈፃሚት ስራሕ ማለትም ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፤ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፤ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ፤ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣብቶም 14 ኣይኣተዉን፡፡

ብኣቢይ ኣሕመድ ተቐባልነት ንምርካብ ዶ/ር ደብረፅዮን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኸዱ ዝነበረ ሃሳብ እስካብ ዛሰዓት እዚኣ ኸምዘይኸዱ ኣረጋጊፅና ኣለና፡፡ኣቢይ እንድሕር ዘይተቀቢልዎ እንደገና ማእኸላይ ኮሚቴ ኽእከብ ምኳኑ ዝሓበሩና ካብ ወታሃደራዎ መራሕቲ ድማ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ሓደ ቦታ ንበይኖም ተኣኪቦም ሌተናል ጄነራል ታደሰ ወረደን ብርጋዴር ጄነራል ተኽላይ ኣሸብር(ወዲ ኣሸብር)ን ዘለውዎ ናብ እቲ ሓዱሽ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ኽሕወሱ ወሲኖም፡፡

UMD Media

View all posts