ሐሙስ ለካቲት 23 2015 ዓም

ንምጥያሽ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኮንፈረስ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋል ማሕበረሰብ ትግራይ ናይ መጀመሪያ መዓልቲ  ትማኢ ረቡዕ ለካቲት 22 2015 ዓም ነይሩ፡፡ ኣብቲ ኮንፈረስ ካብዝተረኸቡ ፍልፍላት ዩኤምዲ ሚድያን ካብ ናይ ህወሓት ናይ ውሽጥ ፍልፍላት ዩኤምዲ ሚድያ ዝስዕብ  ሓበሬታት ይርከቦ፡፡

ኣብቲ ኮንፈረስ ተነሓናሕቲ ውድባት ማለትውን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፤ ባይቶና ዓባይ ትግራይ፤ ውድብ ናፅነት ትግራይ ዘይምእታወን፣ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳይ ዘይምርካቡ ኸም ሕቶ ተላዒሉ ነይሩ፡፡  ብዛዕባ ዘንውዳባት ብሽማግለታት ዓዲ ብናይ እምነት ኣቦታት’ውን  ዋላ ለሚንኩምን ኣምፅእወን ዝብል ሃሳባት ተላዒሉ፡፡ ሀዚውን ዋላ ካብቲ ኮንፈረስ ተተረፋ ካፍቲ ዝጣየሽ ጊዚያዊ መንግስቲ ከይተርፋ ኽግበር ኸምዘለዎ ሓሳባት ቐሪቦም፡፡ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳይ  ድሕሪ ሰዓት ብሊ ጀኔራል ምግበይ ሃይለ ኸይዶም ሂሆምዎ መጺኦም፡፡  ፃድቃን ውዳበ የብሉን ብዝብል ኸምዘትረፍዎ ዝዛረቡ ፍልፍላት ኣለዉ፡፡ ኣብ መድረኽ ክሕተቱ ኸለዉ ግን ፀዊዒናዮ ኢና ዝብል መልሲ እዩ ተዋሂቡ፡፡እቱ ኣጣይሻ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ኸመይ ኽኾውን ኸምዘለዎ ቕድሚ ሀዚ ብፅሑፍውን ዘቕረቦም ሓሳባት ነቲ ኮንፈረንስ ኣልዒሉ ነይሩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ሓዲሽ ገፅ ኽነምፅእ እዩ ዝፅበየና ዝብለ ሜጄር ጄነራል ዮሃንስ ወልደጂዮርጊስ (ጆን መዲድ) እዩ፡፡ ጆን መዲድ ኣብ ኣባል ወታሃደራዊ ኮማንድ  እዩ፡፡  ነቲ ኮንፈረንስ ኽመርሕ ኣብቲ ዝተመረፀ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፤ ሌተናል ጄነራል ታደሰ ወረደ፤ ጄነራል ዘውዱ ኪሮስ፤ ወ/ሮ ሊያ ካሳ፤ ኣይተ ሙሉእወርቂ ኪዳነማርያም ዝርከብውዎ ፕረዚዲየም ኣመልኪቱ’ውን  ሜጄር ጄነራል ዮሃንስ ወልደጂዮርጊስ “ኣብዚ’ኣ ተይተረፈ ሓዱሽ ሰብ ብዘይምሕዋስና ሓፊረ” ኢሉ፡

ቁጽሪ ኣባላት ካቢነ  26 ክኾኑ እዩ ተወሰኒ፡፡ ካብቶም 26ተይ 16ተ ስሩዓት ካቢነ ፤ 8 ክላስተር መራሕቲ፤ 1 ፍሉይ ቤት ፅሕፈት ዘለውዎ፡፡ ካብቶም 26 በቅድሚ ሐዚ ዝተገረበረ ውሳነ 14 ብህወሓት ዝተሓዝ እዩ፡፡ እቲ ፕረዚደንትው ካብ ህወሓት ክኾን እዩ እቲ ትፅቢት ናይቶም ኣጣያሺ ኮሚቴ ኾነ ናይ ህወሓት፡፡ ኣቢይ ኣሕመድ ካብቶም ሓሙሽተ አባላት ፈጻሚት ኮሚቴ ህወሓት ሓዲኦም መራሒ ነቲ ጊዚያዊ መንግሥቲ ኾይኖም ክመፁ ኣይደልዮምን ኸምዝበለ እታ ኮሚቴ ወዲ ወረደ ሰሉስ ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ ኣፍሊጣቶም እያ፡፡ መን ይኹን’ዳኣ ኣብ ዝብል ሕቶ ግን ህወሓት እዚ ናይ ውድብ ጉዳይ እዩ ባዕልና ልበይንና ኢና ኽንመያየጠሉ ኢላ ወሲና፡፡  እቲ ኮንፈረስ ምስተወደአ ህወሓት ማእኸላይ ኮሚቴ ንበይኑ ተኣኪቡ ክውስን እዩ፡፡

ከም ፍልፍላት ዩኤምዲ ሚድያ ካብ ፈጻሚት ህወሓት ወፃኢ ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ መራሒ ንምዃን ብዝተፈላለየ ኹርናዕ ህወሓትን እታ ኣጣያሺት ኮሚቴን ገይሮም ናብ ቅድሚት ክመፁ ዝኽእሉ ሰለስተ ሰባት ዞም ዝስዕብ እዮም፡፡

ኣይተ ኢሳያስ ታደሰ – ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ፤ ናይ ቀደም ተጋዳላይ፤ ኣባል ኮሚቴ መጣየሺት ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ፡፡ ብሌተናል ጄነራል ታደሰ ወረደ ዝድለ፤ ኣብቲ እዋን ኩናት ፖለቲካዊ ኮሚሳርያት ኾይኑ ምስኡ ዝሰርሐ፤ ኣብቲ ወታሃደራዊ ኮማንድ እውን ምስ ወዲ ወረደን ሓሙሽት ኣባላት እታ ኮማንድ ዝሰርሐ፡፡ ናይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ድጋፍ’ውን ዘይስእን፡፡

ኣይተ በየነ ምክሩ፡ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ፤ ናይ ቀደም ተጋዳላይ፤ ኣብ ቐረባ ነቲ ናይ ሰላም ድርድር ኽመርሑ ብቤት ምኽሪ ትግራይ ኻብዝተወሰኹ ሰባት ሓደ፡፡  ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ ዝተወሰነ ጉጅለ ድጋፍ ክሕልዎ ዝኽእል፡፡ ካብኒ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ድጋፍ ኸይረክብ ዝኽእል፡፡

ዶ/ር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል፡ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ፤ ኣብ ፌደራል ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት፤ ፌደራል ሚኒስትር ትምህርቲ ብሓላፊነት ልሰርሐ፤ ኣብ ዩኒቨርስቲ ለምሀረ፤ ምስ ትምህርቲ ልምዲን ተተሓሒዙ ካብ ደለይቲ ለውጢ ድጋፍ ኽረክብ ዝኽእል፡፡ ሐዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ምኳኑ ኸም ፀገም ክቐርብ ይክእል’ዩ፡፡

ናብ ማእኸላይ ኮሚቴ ሓፂያ እተቀርብ ፈፃሚት ኮሚቴ ህወሓት ዝለዝኾነት ንመን ሒዛ ኽትቀርብ ኸምዝትክእል ቀድሚካ ንምፍላጥ ኣፀጋሚ እዩ፡፡

ኣባላት ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት

እቲ ምጥያሽ መንግስቲ ኣብ ፈጻሚት ካቢነ ዘተወሰነ ኾይኑ ሓዱሽ ዝቆፃፀሮ ቤት ምኽሪ ኽህልዎ ድዩ፤ ነቲ ዘሎ ቤት ምኽሪ ኸፍርሶ ድዩ ኸማዓራርዮ ዝብሉ ሕቶታት ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ተዘራሪቦም ንቅድሚት እዩ ኽውሰን ተባሂሉ፡፡

ናይቲ ዝምረፅ መንግስቲ ናይ ስልጣን ዘመን እስካብ ሓደ ዓመት ዝብል ዝቐረበ ሓሳብውን ሓፂሩ ዝብል ሕቶ ተላዒልሉ እዩ ኣብቲ ናይ ረቡዕ ኮንፈረንስ፡፡ ውሳነታትን ቶም ካብ ህወሓት ወፃኢ ዘለዉ 12 ኣባላት ካቢነ ካብ ፖለቲካዊ ውድባት፤ ካብ ሰራዊት ትግራይን ካብ ምሑራትን ኽምልኣ  ኽንደይ ኽንደይ ዝብል ብዕሊ ሎማዓንቲ  እዩ  ኣብቲ ኮንፈረንስ ኽውሰን፡፡ በዚ ዝወሓቦም ቁፅሪ ባዕላቶም መሪፆም እዮም ዝሰዱ፡፡

UMD Media

View all posts