ካብ ፍልፍላት ዩኤምዲ ሚዲያ ተሳተፍቲ እቲ መረፃ

እኒ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኸም ሕፁይ ፕረዚደንት ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ገይሩ ዘመረፀ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት መጋቢት 6 2015 ዓም ዓርቢ ንግሆ ሰዓት 3 ጀሚሩ ምሸት ሰዓት 3 ተዛዚሙ። እቲ ዝበዝሕ ጊዜ ዝጠፍአ ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዝምልከት ዝበሎን ዝደልዮን ትፅቢቱን ኣብ ካልኦት ነገራትን ዘተ ብምኽያድ እዩ።

እቲ ናይ መወዳእታ ተግባር ምርጫ እዩ ነይሩ። እቲ መረፃ ከምቲ ኣብ ካልኦት ክፋላት እቲ ኣኼባ ብኣቦ ወንበርነት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን  ብምክትል ኣዶ ወንበር ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረግዚኣብሄር  ህወሓት እዩ ተመሪሑ።

ክንደይ ክሕጽዩ ከምዘለዎም ዝኾነ ገደብ ኣይተዋህበን። ቁጽሪ ሕጹያት ሸውዓተ ምስ በጽሐ ድማ ድምጺ ክህቡ ወሲኖም።

እቲ ኣኼባ ብዘይምስምማዕን ብስም ናፀዋእኻ ምኽሳስ ምውቃስ ዝተመልአ ስለዝነበረ፡ ብዒድ ብምውፃእ ኻብ ምምራፅ እቲ መረፃ ኣብ ወረቐት ናሓደ ስም ጥራሕ ብምጽሓፍን ድምጺ ንምሃብ ተወሲኑ፡፡ እቶም መረፅቲ ብናይ ባዕሎም ወረቀት እንዳቀደዱ እናፃሓፉ ሂቦም፡፡  ንምቑጻር ካብዝተመደቡ  ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ሰበሌን ሃፍቱን ካብቶም ዝቖጽሩ ዝነበሩ እዮም።

ኣብ እቲ እዋን መስርሕ ጥቆማታት፡ ብርክት ዝበሉ ብስም ናፀዋእኻ ምኽሳስን ምውቃስን ምላሽ ምልውዋጥን ተኻይዱ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብዝምልከት ብኣይተ ኣለም ገብረዋህድን ዶ/ር ፍስሃ ሃፍተጽዮን ናይ ምዝራብም እምበር እንኳይ ንትግራይ ሓንቲ ትካል ኽመርሕ ኣይኽእልን ዝብል ተቃውሞ ቀሪቡ ነይሩ፡፡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንኣይተ ኣለም ገብረዋህድ መሊሱ እወ ኣብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ን10 ዓመት ኮፍ ኢልካ  ፀኒሒካ፡ ትርጉም ዘለዎ ነገር ክትሰርሕ ግን ኣይረኣኹኻን ኢልዎ። ካልእ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሓደ ቦታ ኾፍ ኢሉ ክሰርሕ ኣይክእልን ንዝብል ንናይ ኣይተ ኣለምገብረዋህድ ክሲ ኮፍ ምባል ምስ ምስራሕን ዘይምስራሕን ማዕረ ኣይንገብሮ ኢሉ። ናብ ቤት ፅሕፈትካ ኣብ ዝመጻእኩሉ ግዜ ክትሪአኒ ፍርቂ መዓልቲ ይወስደልካ ኢልዎ፡፡ ብተወሳኺ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ኣይተ ጌታቸው ረዳ እንተተመሪፁ ኣብ ፕሪቶርያን ድሕሪኡን ዝተገብረ ነገር ኹሉ ዝምልከት ጥርጣረ ንኽሓድረኒ ክገብረኒ እዩ ኢሉ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ናይ ባዕሉ ምጥቋሙ ተቓዊሙ፡፡ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም እውን ከምኡ። ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ ብዛዕባ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምልከት ኣብይ ኣሕመድ ንዓይ ዝምልከት ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ኣምሓራ  ተቀባሊነት ኣይህልየካን ዝበለኒ ብሚዲያታት ዝተናገሮ ኻባይ ይገድድ እምበይ ኣይሕሽን ኢሎም።

ዶክተር ፍስሃ ሃፍትፅዮን ንኪንደያ ገብረሂወት ብኣውራጃዊ ወገናውነት ክኸስስ ከሎ ካልኦት ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ድማ ንዶክተር ፍስሃ ሃፍትፅዮን ብተመሳሳሊ ወገናውነት ከሲሶሞ።

እቲ መረፃ  ንኣይተ ጌታቸው ረዳ 43.9% ድምፂ (ካብ 41 ድምፂ 18) ንዶክተር ፍስሃ ሃፍትፅዮን  41.5 %  (ካብ 41 ድምፂ 17)  ብምሓብ ምስተወድአ ንናይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብኣቢይ ኣሕመድ መረፃ ተነፂግዎ ኸም ኻልአዋይ ዶክተር ፍስሃ ሃፍትፅዮን ክሽየም ኣለዎ ንዝብል ሓሳብ እቲ ድምፂ ተዋሂቡ ዘሎ ሓደ ሰብ ጥራሕ ክህሉ እዩ ብዝብል ግምት እዩ ብምባል ብቶም ተኣከብቲ ተነፂጉ፡፡  ጌታቸው ረዳ እንተተነጺጉ፡ ማእኸላይ ኮሚቴ ዳግማይ ተራኺቡ ክመርፅ ኣለዎ ተባሂሉ ተወሲኑ።

ጠቕላላ ዝርዝር ሕጹያት ዶክተር ፍስሃ ሃፍቲጽዮን፣ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለን ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽን ብፖሊትቢሮ ህወሓት ዘቕረቡ፤ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት፡ ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ፡ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ድማ ካብ መድረኽ ተዝተጠቆሙ እዮም ነይሮሞ።

UMD Media

View all posts