ተኽሊት ገብረመስቀል ባህታ

ለካቲት 5 ፤ 2016 ዓም

___

1. መእተዊ

ህወሓትን ኩናትን ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገፅ እየን፡፡ ስለምንታይ? መበገሲኡ ኸ? እቶም መራሕቲ ኩናት ስለ ዝደልዩ ድዩ? ነኸስቲ ብረት ኮይኖም ስለዝተፈጠሩ ድዩ ወይስ ካሊእ ? እቲ ሓደነት፤ ካበይ ዝቦቁል እዩ? ንምውጋድ እንተዝደልዩ ኸ የውግድዎ ዶ? ዕላመኦም ገዲፎም ዶ ምስ ዕላመኦም? ብስሩ ባዕሎም ከ ስለምንታይ ይኳነቱ ይፈልጥዎ ዶ? ዝብሉ ነጥቢታት ብቀጥታን ብተዘዋዋሪ ክሪኢ ክፍትን እየ፡፡

ህወሓትን ኩናትን ደቂ ሓንቲ እኖ እየን ኢልና ኢና፡፡ ንክልቲአን፡ ድሕሪ ዮሃንስ ዝተወለደት ትግራይ እያ ዝትወልደን፡፡ ኩናትን ህወሓትን ክልተ ገፅ ሓደ ሳንቲም ዝኾነሉ ምኽንያት ካብቲ ዝተወለድሉ ባይታ፣ ዝሃቦም ዕላማ፣ መፈፀሚኡን እዩ ዝብገስ፡፡ 

 2. ባይታን ዕላማን ህወሓት        

ህወሓት ብቡዙሕ ኩርናዕ ዝተሃነፀ ውዳበ እዩ፡፡ ሐዚ ዘትኩረሉ ግና፤ ናይ ትግራይ ባይታ እዩ፡፡ እዚ ውዳበ ተጋሩ ድሕሪ ምፍራስ ባህሪያዊት ሃገሮም ኣቢሲንያ ምፍራሳ ኮይኑ ብዙሕ መንገዲ ኸይዳ ፀኒሓ፡፡ ግን ድማ ምልክታትን ታሪኽን ተጋሩ መሊኡ ኣይጠፍአን ነይሩ፡፡ ህወሓት ኣብዚ ማእኸል ተወሊዱ፡፡

ህወሓት ኣብ ቃልሲ ቁሩብ ፅንሕ ምስ በለ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት እዩ ሸኺሉ፡፡ እዙይ ምስ ተዓወተ ድማ ሓደ ርእሰማላዊ መንነት ክሃንፅ ቢሂጉን ደልዩን፡፡ እዚ ርእሰማላዊ መንነት ድሕሪ ኢንዱስትሪ ዝህነፅ መንነት ኮይኑ፡ እቶም ቅድመ ኢንዱስትሪ ዘለዉ መንነታት ድሑራት እዩ ዝብሎም፡፡ እቶም ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝናሓንሑ ዘለዉ መንነታት ኣምሓራ፣ ኦሮሞ፣ ተጋሩ ድሑራት እዮም፡፡ እዙይ ማለት፤ ስትራቴጂካዊ ፀላእቲ ዕላማ ህወሓት እዮም፡፡ ዋላ ትግራዋይነት ንዕላማ ህወሓት ስትራቴጂያዊ ፀላኢ እዩ፡፡ ምሕዝውነቶም ብስልቲ እዩ፡፡ ነዚ ዝቅበል ወይ ዝግንዘብ ሊሂቅ ክሳብ ሐዚ ብዙሕ ኣይኮነን፡፡ ደንገርገር እውን ክብሎ ይኽእል እዩ፡፡ ከመይ፣ ስለምንታይ ገለ ዝብሉ ‘ሕቶ ትግራይ’ ስፍሕ ብዝበለን ምስ ስነ ሓሳባዊ ሰረቱን ምርኣይ ንኽእል ኢና፡፡

 3. ስለ ምንታይ እዩ ህወሓት ዕላማ እዚ ተኸቲሉ?

ኣብዚ ብቀሊሉ ዝመፅእ መልሲ እቲ ሽዑ ዝነበረ ዓለምለኻዊ መድረኽ ማርክሳዊነት እዩ ስለዚ እዙይ ድማ ዓዲታት ብካፒታል እዩ ዝሃንፅ ዝብል ክኾን ይኽእል እዩ፡፡ ስለዚ ህወሓት በቲ እዋን ንሱ እዩ ክኾውን ዝኽእል ክብሃል ይክኣል፡፡ ግን እዚ ሲምፕል መልሲ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ንሱ ክትኽተል ባዕሉ መበገሲ የድልየካ እዩ፡፡ ስለዚ ንህወሓት ናብ ዓለምለኻዊ ማርክሳዊትት ዘጥለቆ እንታይ ይኸውን? ኢልና ክንሓትት ኢና፡፡

ኣብ ቡዙሕ ዓዲታት ዝርአ ልምዲ(ዋላ ኣብ ማርክሳውያን) ዝኾኑ ናይቶም ስልጣን ዝሓዙ ኣካላት መንነት እዩ እናዓብለለ ዝኸይድ፡፡ ኣብ ህወሓት ግና ኸምኡ ክኾውን ኣይሽእልን፡፡ ንትግራዋይነት ናብ ኣዲስኣበባ ሒዞም ክኸዱ ኣይኽእሉን፡፡ መንነት እታ ዓዲ ክገብርዋ ኣይኽእሉን፡፡ ዝተወለድሉ ባይታ ወሰን ኮይኑ እዩ፤ ዊሒዱ እዩ፡፡ ስለዙይ እቲ ዝህልዎም መማረፂ፤ ካብ ኩሉ ናይቲ ዓዲ(ኢትዮጵያ) መንነት ወፃኢ ዝኾነ ኣብ ናይ ሕልሚ ፍልስፍና ዝተደረኸ “ርእሰማላዊ መንነት” ዝብሃል ካብ ማርክሳዊት ዝብገስ ዕላማ ይኾውን ኣሎ ማለት እዩ፡፡ እዚ መንነት ድማ ስትራቴጂካሊ ኣንፃር ኩሎም መንነታት እታ ዓዲ ይኾውን፡፡ እንተኾነ ግና፤ ሓደ መንነት ኣብዚ ብሃንደበት ካብ ቁፅፅር ወጻኢ ክዕብልል ይመፅእ፡፡ ከምዚ ብግዜ ህወሓት ኣምሓራ ዓብሊሉ ዝነበረ ማለት እዩ፡፡ Because,there is no so called ርእሰማላዊ መንነት፡፡ ስለዚ ሓደ መንነት ብስልቲ(ተጋሩ) ሓደ ድማ ብሃንደበት(ኣምሓራ) ስልታዊ ማሓዝኡ ክኾውን ይኽእል እዩ፡፡ስትራቴጂካሊ ግና ፀላእቱ እዮም፡፡ ስለዚ እቲ ዕላማን ኩናትን ናብ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገፅ በዚ ምልክዕ ይመፅእ ኣሎ ማለት እዩ፡፡

4. ቅርጺ ወሰንነት

እቲ ዕላማ ህወሓት ናብ ማእኸል ዝኸይድ እዩ፡፡ ንሱ ክዓ ኣንፃር ማእከል ኢና ዝብሉ(ኣባና፤ ኦሮ-ማራ ማለት እዩ)፡፡ እዙይ ማለት ዕላምኡ፡ ሓደ ናይ ፖለቲካ ወ ኢኮኖሚ ማሕበረሰብ ምፍጣር እዩ ኢልና ኢና፡፡ እዙይ መንነት ካብ ኩሎም ወፃኢ ዝኾነ መንነት እዩ፡፡ ካብ ተጋሩ፣ ኣማ፣ ኦሮ ወፃኢ ማለት እዩ፡፡ እቲ ዓብዪ መዋቅራዊ ፀገም ዝስዕብ እምብኣር ኣብዚ እዩ፡፡ እቲ ዝተወለደሉ ባይታ ካብ ማእኸል እንተዝኾውን ካብ ሓይሊ ወፃኢ ዝዕወተሉ ዕድላት ስለዝህልው እቲ ዕላማ ስልታዊ ማሓዛ ዘግንየሉ ዕድል ይህልው ነይሩ፡፡ ንኣብነት ህወሓት ‘ጓል’ ኣምሓራ ወይ ኦሮሞ እንተትኸውን ብዉሑዱ እቲ እትገጥሞ ቀሊል ኩናት ክኾውን ነይሩ እዩ፡፡ እቲ ጸገም ግና ህወሓት ኣብ ትግራይ እዩ መበገሲኡ፡፡ ትግራይ ድማ ማእከል ኣይኮነትን፡፡ ዉሑድ ህዝቢ እዩ ዘኒአዋ(ዝህልዋ ኣይበልኩን)፡፡ ስለዚ ካብ ኩሎም መንነት ወፃኢ ንምህናፅ ፤ ተጋሩ ድኣ ቦታና እንታይ እዩ ኣብዚ? ስልታዊ ቦታ እዩ ዘለና፡፡ ንምንታይ? ኦሮ-ማራ ማእከል እዮም፤ ብዙሓት እዮም፡፡ ስለዚ ዕላማ ህወሓት ክዕወት ማሕበራዊ ሰረት የድልዮ ማለት እዩ፡፡ ናይ ምንታይ? ናይ ዴሞክራሲ? ኖ! ኣይኮነን፡፡ ናይ ወታደር እዩ፡፡ ስለምንታይ ናይ ወታደር? ምኽንያቱ ናብታ ፈላመይቲ እያ ትምለስ፡፡ ትግራይ ውሑዱን ወሰንን እዩ፡፡ ብስርዓት ዴሞክራሲ (ድምፂ) ክስዕር ኣይኽእልን፡፡ ብምኳኑ ቀንዲ መፈፀሚኡ፤ ሓይሊ እዩ ነይሩ፣ ኮይኑ፣ ክኾውን፡፡ ዕላማ ህወሓት ብሓይሊ ጥራይ እዩ ዝዕወት፡፡ እቲ ዝገጥሞ ኩናት  ኩለመዳያዊ ዝኾውን ምእንተ እዙይ እዩ፡፡ ናይቲ ሓይሊ ቤዝ(If we are not the only) ተጋሩ ኢና፡፡ ስለምንታይ ከምዚ ዝበለ ቅርፂ ሃልይና? ካሊእ ከይዲ ታሪኽ እዩ፡፡ ናብ ዮሃንስ ኢና ክንምለስ፡፡ ዮሃንስ ከ?….. ይቅፅል፡፡  ነዚ እያ ትግራይ ንዝሓለፉ 27 ዓመት፤ ወታደራዊ ቀጠና ዝነበረት፡፡ ናይቲ system ወታደር እያ ነይራ፡ ዝሓለፉ ዓመታት፡፡ ንዕኡ እዩ፡ ኩሉ ዝተሰከምና፡፡ ስለዚ እቲ ዝነበረ ሰላም፡ ምስ ዘይቀሪ ኩናት ጎናጎኒ እዩ ዝጓዓዝ ነይሩ፡፡ ንኣብነት ኣብይ ናብ ስልጣን እንትመጽእ ሓደ ነገር ግልፂ ነይሩ፡፡ ብስልታዊ ጥምረት ኦሮማራ እዩ ነይሩ፡፡ ክልቲኦም ነኒ ርእሶም ዕላማ ኣለዎም፡፡ እቲ ህወሓት ስትራቴጂካሊ ኣንፃር ህንፀት ሓደ ናይ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ማሕበረሰብ ዝብሎ ኤቲኒካዊ መንነት ምብግጋስ ነይሩ፡፡ ነዚ ድማ ነይሩ ህወሓት ኣይቅበሎን ዝበለ፡፡ ትምክሕታዊን ፀቢብ ብሄራውነት ስትራቴጂያዊ ሓደጋ እቲ ዕላምኡ ገይሩ ይቆፅሮ፡፡ ስለዚ Reactive እዩ ነይሩ፡፡ ኸይዱ ከይዱ ግና ወታደራዊ ቤዙ ተጋሩ ስለዝኾኑ(እቲ ለውጢ እውን ብጣዕሚ ስለዝፈጠኖ፡ ኣዲስ ኮይኑ ክቅስቅሶ ኣይክኣለን) እቲ  ጎናጎኒ ሰላም ዝጓዓዝ ዝነበረ ኩናት ክቅስቀስ ነይሩዎ፡፡ ንዚኣ ክገብር፥ ቀጥታ ንመቐለ እዩ ሃፍ እናበለ መፂኡ፡፡ መቐለ ድማ ንስልታዊ ረብሕኡ ተጠቐመላ፡፡

5. ሰረት ‘ሚሊታሪዝም’

ህወሓት ካብ ኩሎም መንነታት ወፃኢ ኮይኑ ክቃለስ ዘገደዶ መንነት ተጋሩ ንኣዲስ ኣበባ ሒዙ ክኸድ ኣይኽእልን ኢልና ኢና፡፡ ስለዚ ዕላማ ሞንጓዊት ሃገር መሪፁ፡፡ ስለምንታይ? እቲ ዝቦቀለሉ ባይታ ትግራይ ብዲሞግራፊን ጅኦግራፊን ወሰን ኮይኑ፡፡ ከመይ? ድሕሪ ውድቀት ዮሃንስ ትግራይ ናብ ቡዙሕ መዋቅር እያ ተበታቲና፡፡ ትግራይ ብፍላይ ድሕሪ ዮሃንስ ባህሪያዊ ሰረት ተነቂሉ ሃገራ ፈሪሱ መዋቅራዊ ምፍንቃል እዩ ኣጋጢምዋ፡፡  ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ኮይኑ ? ንሱ እውን ናይ ባዕሉ ምኽንያታት ይቅፅል፡፡ ኣብዙይ ነቲ ዕላማ እንትሕዝ ናብ ማርክሳዊነት ከይዱ ማለት ኮይኑ፤ ሰረተ ሓሳቡ ኣብዚ ርዕየተ ዓለም እዩ ዝምደብ፡፡ ማርክሳዊነት ድማ ብኸይዲ ናብ ሓዱሽ ገዛኢ መደብ እናተቀየረ ናይ ምኻድ ባህሪ ዝላዓለ እዩ፡፡ ኣብዚ ክዓ ብግዲኡ ሚሊታሪዝም ቀንዲ ረቋሒ ተረኽ እዩ፡፡ እዚ ርዕየተ ዓለም ኣንፃር ኹሎም ዝነበሩ ሓቂታት ብዝመስል ስለዝተበገሰ ከም እንኮ ሓቂ እዩ ዝወስድ፡፡ ስለዚ መፃልእቱ ብዙሓት ክኾኑ ስለዘግድዶ ብባህሪኡ ሚሊታሪስት ይኾውን ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ስለዚ ሓለዋ ዕላምኡ ብ Buren of gun ይኸውን፡፡ እዚ እቲ ፖለቲከኛ፣ ሚሊታሪ፣ ህዝቢ ሓደ ዓይነት ስነልቦና ኩናት ይህልዎ የበርትዕ፡፡ ነዚ ወሰንነት፣ ታሪኽ ፊውዳልን ድሙቃት ታሪኽ ወታደራዊ ዓወትን እንትውሰኾ ክዓ ኣዝዩ ሓደገኛ ብርኪ ይበፅሕ፡፡ ናብ ትግራይ እነትንምለስ ዶማ እዚ ዝስዕብ ምኽንያትን ውፅኢትን ሒዙ ይመፅእ፡፡ ህወሓት ማርክሳዊ ኮይኑ ቀስ እናበለ ናብ ገዛኢ መደብ ተቀይሩ፣ ካብ ወሰን ዝተወለደ እዩ፣ ታሪኽ ፊውዳልን ዱሙቃት ወታደራዊ ዓወትታት ኣዝዩ ገዚፍ እዩ፡፡ ኣብ ዓድና፡፡ ስለዚ ሚሊታሪዝም እቲ ዝዓበየ ስነ ልቦና ተጋሩ እዩ ኮይኑ፡፡ እዙይ ሒዝና ናብታ ሐዚ ኣብ ህወሓት ዝተፈፀመት ‘ወታደራዊ መፈንቅለ ፓርቲ’ መበገሲታቱ ኣብዙይ ሃሰስ ኢልና ኣይንስእኖን፡፡ ጀነራላት ሰራዊት ስራሕ መደቦም እዩ እምበይ ኣብ ኩናት ምምራሕ ኮይነለ ክልቲኡ እዮም፡፡ ፖለቲከኛን ወታደርን፣ ፖለቲከኛታት እውን ከምኡ፡፡ እዙይ ማለት እቲ ኣፈላላይ ኣብ መደብ ስራሕ እዩ እምበር ኩሎም ህወሓት እዮም፡፡ ከይዱ ከይዱ ብተግባር እውን እቲ ናይ መወዳእታ ድፋዕ ድማ ንሱ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ፡፡ ወሰንቲ ፖለቲካ ትግራይ ንሶም ኮይኖም ኣለዉ፡፡ እዙይ ዘስዕቦ ሓደጋ ድማ ኩናት እዩ ክኾውን፡፡ እቲ ምንታይሲ ኣብ ክልል ኮይንካ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ዝፈቅዶ ወፃኢ ሰራዊት ኮይንካ ክትህልው ዘኽእል ካሊእ ምኽንያት እኖተይኮነ እቲ ካብ ሕጊ ወፃኢ ክትጣየሽ ዝደለየካ ይኹን ክትፀንሕ ዝደለየካ ንዝኾነ ሕጊን ስርዓትን ዘይፈትሖ ጉዳይ ትዳለዉ ኣለኻ ማለት እዩ፡፡ እቲ መሪሕነት ሰራዊት እውን ክብሪ፣ ሃፍቲ፣ ተሳትፎ ፖለቲክኡ ዘረጋግፀሉ ነጥቢ ስለዝኾነ ሸለል ዝብሎ ኣይኮነን፡፡ እዙይ ናይ ሃለዋት ጉዳይ ስለዝኾውን፡፡

 6. መደምደምታ

ህወሓትን ኩናትን ደቂ ሓንቲ እኖ ዝኾናሉ ምኽንያት ካብ ዕላምኡ፣ ዝተወለደሉ ባይታን ዝመፀሉ ኸይዲን እዩ ዝብገስ፡፡ ህወሓት ኣብ ዕላምኡ ፊሒት ኣይበለን፤ ኣይብልን፡፡ ምናልባት ኣብ ስልቲታቱ ካብ ዋልታ ናብ ዋልታ ክተዓፃፀፍ ይኽእል እዩ፡፡ ግዜ ክዕድግ እውን ዝሕል ክብል ይኽእል፡፡ ዕላምኡ ግና ወይከ ፈተኽ እዩ፡፡ ንሱ ክዓ ሓደ ናይ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ማሕበረሰብ ምፍጣር እያ፡፡ ብርግፅ እኒ ስብሓት ፌድሬሽን እዮም ዝብልዎ፤ ስልቲ ምኳኑን ዘይምኳኑን ዝፈልጥዎ ኣይመስልን፡፡ ፌድሬሽን ነቲ ዓብሊሉ ዝነበረ ተረኽ መስበሪ እምበር ባዕሉ ዕላማ ኣይኮነን፡፡ ብዝኾነ፤ እታ ዕላማ ድማ ስትራቴጂካሊ ኣንፃር ተጋሩ፣ ኦሮሞ፣ ኣምሓራ እያ፡፡ ስለዚ፤ ኩናት ክወልድ ግድን ይኾውን፡፡ እዚ ውልቀ መራሕቲ ደለይዎ ኣይደለይዎ ብግድን ዝመጽእ ነገር እዩ፡፡ ምኽንያቱ እዚ ዕላማ ዓቅሚ እንተለዎ ባዕሉ ዝኸይድ፤ ዓቅሚ እንትስእን ድማ ፀላእቱ ዝመፅእዎ እዩ፡፡ንሱ ድማ ንህላውኡ፤ ተመሊሱ ናብ ዕንክላሎ ይኣትው፡፡

ካልኣይ፤ እዙይ ኣብ ወሰን ምኳኑ ካሊእ ቆስሊ እዩ፡፡ ካብ ወታደራዊ ፍታሕ ካሊእ የብሉን፡፡ ካሊእ ከሰልፍ እውን ወታደራዊ ሓይሊ ግድን እዩ፡፡ ሳልሳይ፤ እቲ ዓዲ ዓዲ ዕጡቃዊ እያ ኮይና፤ ብተረኽን ብግብሪን፡፡ እዙይ ድማ ኣብ ወሰንን ውሑዱን እንትኾውን ኹሉ ዝልከዐሉ መመዘኒ እዚ ስነልቦና እዩ፡፡ እዚ ስነልቦና ክህልው እንተኾይኑ ክዓ ብቀፃልነት እቲ ወታደራዊ ኣካል ክህልው ኣሎዎ፡፡እዙይ ክዓ ኣብ ወሰን(ትግራይ ) ስለዝኾነ፤ ምስቲ ማእኸል ዝራፀም እዩ፡፡ ሰራዊት ትግራይ ወሳናይ ተራ እንትህልዎ ምስቶም ካልኦት ምኽንያታት እንትውሰኾ፤ ትግራይ ካብዚ ዓሚይቕ ማሃሙቕ እትወፀሉ ዕድል ተኣምር እዩ ክኾውን ዝኽእል፡፡ እዛ ተኣምር ክትብሃል እትኽእል ዕድል እቲ ውዱብ ካብ ውሽጢ ቀስ እናበለ ዝቅህመሉ ዕድል እዩ ነይሩ፡፡ እዚኣ እውን ፈሺላ፤ እታ ዕድል ኩናት ካብ 60% ንላዕሊ ኾይኑ ይርከብ፡፡ እዚ ህወሓት እናሃለወ(እዚኣ እታ ቀንዲ እያ ሓዙለይ፡ ህወሓት ምስ ዕላምኡ እናሃለወ)፤ ብውልቀ መራሕቲ ድሌትን ባህጊን ዝዕገት ዝመስሎ ብዙሕ እዩ፡፡ ግን ኣይኮነን፡፡ እቲ ህላወ እዩ ኩናት ዝኾውን፡፡ እቲ 40% እውን ርሱን ኩናት ዋላ ይቅረ ትግራይ እትኸፍሎ ዋጋ ግን ዝትመን ኣይኮነን፡፡ እቲ ዋጋ(ምብጣስ ግዝኣታዊ ሓድነትን ውጺኢታቱን) ድማ ነቲ ዕድል ኩናት ናብ 100% እናፀግዕዎ ይኸዱ፡፡ ስለዚ ህወሓትን ኩናትን ሓደ ዝኾናሉ ምኽንያት ካብ ባህጊን ድሌትን ውልቀ መራሕቲ ህወሓት ንላዕሊ ዝኾነ መዋቅራዊ ምኽንያት

ስለዘለዎ እዩ እብል፡፡

ሰላም፡፡

Editor’s Disclaimer

The above opinion piece is written by a contributor and reflects their personal views and perspectives. It does not necessarily represent the views or opinions of the editorial team, publication, or organization behind UMD Media. We believe in providing a platform for diverse voices and opinions, and encourage our readers to engage critically and thoughtfully with the content. As with any opinion piece, the ideas and arguments presented are subject to individual interpretation and debate.

We welcome feedback and constructive discourse on the topics presented in this piece. If you would like to submit a response or share your own perspective, please contact us at [email protected].

Thank you for your continued readership and support.

UMD Media

View all posts