ፀብፃብ ዩኤምዲ ሚዲያ

መእተዊ

ንኣዋርህ ዝግበር ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ሀዚውን ይቅጽልሎ፡፡ በሓደ ገፅ ፖለቲካዊ መራሕቲ ብወገን ህወሓት ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዋ ፈፃሚት ስራሕ ንበይና፤ ሓደ ሓደ ጊዜ ምስ ማዕኸላይ ኮሚቴ ኣባላት ትእከብ፡፡ ሓደ ሓደ ጊዜ ምስ ማዕኸላይ ኮማንድ ኣባላት (ሓሙሽቲኦም ኣባላት ፈጻሚት፤ ሌትናል ጄነራል ታደሰ ወረደን ሌትናል ጄነራል ፃድቃን ገብረትንሳይ ዘለውዎ)፤ ሓዳ ሓደ ጊዜውን ምስ ካልኦት ተወሰኽቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዘለውዎ ይእኸቡ እዮም፡፡

ብግልጺን ብተዘዋዋሪን መካትዒ ዋና ዛዕባ ምስ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ምጥያሽ  ተተሓሒዙ ብኸመይ ይኸየድ? ብኣሳታፊ መረፃ ዶ ይኹን ብሕርያ? ናይ ህወሓት ብፅሒት ኽንደይ ይኹን?   ዓብላሊ ተነአሰ 51% ይኹን ዶ ኣይኹን? ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልከም መራሒ ይቀፅል ዶ ይተካእ? ኣብ ዝብል ዝሽክርከር እዩ ከም ፍልፍላት ዩኤምዲ ሚዲያ፡፡

ሌትናል ጄነራል ታደሰ ወረደ ዝመርሖ 9 ኣባላት ዘልውዋ ኮሚቴ ብዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ምስጣየሸት እውን እቲ ኣኼባታት ይቅጽል ኣሎ እዩ፡፡ እታ ኮሚቴ ምጣያሻ ንሌተናል ጄነራል ፃድቃን ሓዊሱ ወታሃደራዊን ፖለቲካዊ መራሕቲ ከምሓገሮም ዳሓር እዮም ሰሚኦም፡፡ እታ ኮሚቴውን ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማኅበረሰብ ኣብ ትግራይን ወፃኢ ዓዲን ኣኼባታት ትገብር ኣላ፡፡ ካብ  ኣጠያይሽኣ ጀሚሩ ንዝልዓል ዝተደጋገመ ናይ ቅቡልነት ሕቶው ዋላ እንተሃለየ እታ ኮሚቴ ስራሓ ኽትቅፅል ተገይሩ ኣሎ፡፡

ዩኤምዲ ሚዲያ ብትረት እትኣምነሉ ምስ ረብሓ ህዝቢ ዝተሓሓዙ ውሳነታት ምስ ተወሰኑ ጥራሕ ተይኮነስ ቅድሚ ምውሳኖም እውን መን ብኸመይ እንታይ ወሲኑ/ኑ ኣብ ዝብል ህዝቢ ናይ ምፍላጥ መሰል ስለዘለዎ ጥራሕ ተይኾነስ ቀዲሙ ተፈሊጡ ምስ ረብሕኡ ዝሳነ ውሳነ ንኽውሰን ድፍ ኢት ናይ ምግባር ዕድል ይሕልዎ እዩ ብዝብል ተሪር እምነት ናይ ውሽጢን ናይ ደገን ፍልፍላት ኣዘራሪባ በቢኣኼብኡ ዋላ ዝለዋወጥ ተኾነ ህዝቢ ኣይኖም ናይ ፖለቲካን ወታሃደራዊ መራሕቲ ምስ ምጥያሽ ጊዚያዊ መንግስቲ ተተሓሒዙ ኽግበር ትፅቢት ዝግበረሉ ናይ ኣመራርሓ ለውጢ  ኣብ ዝምልከት  ኣብ ዕለት ለካቲት 14 2015 እንታይ ቅዋም ኣለዎም ኣብ ዝብል ሕቶ  ዝስዕብ ፀብፃብ ኣቅሪባ ኣላ፡፡

ሜላን ፍልፍላትን

ዩኤምዲ ሚዲያ ነዚ ፀብፃብ ኽትሰርሕ ከላ ነቶም ኣባላት ፖለቲካዊን ወታሃደራዊ መራህቲን ቅዋሞም ዝምልከት ካብ  ፈላጢ ውሽጢ  (ዋና ፍልፍል) ዝርዝር  ሓበሬታ በፂሒዋ እዩ (እቲ ምሉእ ሓበሬታ ኣብ ጥብቆ 1 ይርከብ)፡፡ ዝተፈለየ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ኽፈልጡ ዝኽእሉ ዝበለቶም ኣብ ፖለቲካዊ ይኹን ኣብ ወታሃደራዊ መሪሕነት ዘየለዉ ኣብ ዓዲን ደገን ዝርከቡ 10 ሰባት ንምዝራብ ፈቲና እያ፡፡ ብተወሳኺ ካብ ፈጻሚትን ካብ ማዕኸላይ ኮሚቴውን ኸምኡ፡፡ ንቶም ዝመለሱ ኽልተ ሰባት ኸም ካልኣይን ሳልሳይን ፍልፍል ጠቂሳቶም ኣላ፡፡ ናይ ኽልተ ተንተንቲው ሓሳብውን ኸም መጠቃለሊ ተጠቂማ ኣላ፡፡ ዩኤምዲ ሚዲያ  ዘዛረበቶም ዝተወሰኑ ፍልፍላት ካብቶም ኣመራርሓ ምንም ዓይነት ለውጢ ዝደሊ የለን ኹሎም ጥቅሞም ኽይትጎድሎም  እዩም ዝቃለሱ ዘለዎ ኣብ ቀረባ ኣብዝነበርክዎ ኣኼባ ዝተረዳእኽዎ ዝበለናው ኣሎ፡፡ ንኹሎም ፍልፍላታ ብዝኣተወትሎም ቃል መሰረት ስሞም ኣይኽትቀሱይ፡፡

ቅዋም ኣባላት ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት

ኸም ዋና ፍልፍል ዩኤምዲ ሚዲያ ተኾይኑ ካብ ሓሙሽተ ፈጻሚት ህወሓት (ዶ/ር ደብረጸዮን ገብረሚካኤል፤ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፤ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፤ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ፤ ኣይተ ጌታቸው አሰፋ) ኩሎም በዘለናዮ ንኺድ ህወሓት ብትዕብልሎን ብትመርሖን ኢና ንኸድ፤ ህወሓት ተነኣሰ 51% ሒዛ ብዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክኾን ኣለዎ እቲ ዝጣየሽ መንግስቲ ዝብሎ እዮም፡፡

ኸም ኻልኣይ ፍልፍልና ድማ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ደላዪ ለውጢ እዩ፡፡ እቶም ዝተረፉ ግን በዘለናዮ ንኺድ እዩ ቅዋሞም፡፡

ሳልሳይ ፍልፍልና’ውን ኣብ ናይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ቅዋም ምስ ኻልኣይ ፍልፍልና ይስማማእ እዩ፡፡ ወሲኹ ድማ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ፣ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄርን ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋን ውድብና ተካሒዳ ዝብል ቅዋም ኸምዝሃዙ፤ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ድማ ሓደ ግዜ ለውጢ የድሊ እዩ ይብሉ ‘ካብ ስልጣን ውረዱ’ ክበሃሉ ከለዉ ድማ ምስ በዓል ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ይኸኑ ኢሉ። “በዓል ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ’ውን ተቀባልነት ስለዘየብሎም ብናይ ዶ/ር ደብረፅዮን  ገብረሚካኤል ተቀባልነት ክሕብኡ ደልዮም ይሓውስዎ እዮም ዘለዉ”።

ቅዋም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

እኒ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ምስ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣባላት ኣብ ዝገብረዎ ኣኼባ ብተደጋጋሚ ዘቅረብዎ ናይ ህወሓት ዓብላሊነት ዘረጋግጽ ሓሳባት ብተደጋጋሚ ኸምዝተነፀገ ኣብ ዩኤምዲ ሚዲያ ምስ ጋዜጠኛ ጌታቸው ኣረጋዊን መርስኤ ኣብ ቀረባ አብ ዝገበሮ ዘተ ዝተሓበረ እዩ፡፡

ኸም ዋና ፍልፍልና ሓበሬታ ተኾይኑ ኣብ ስራሕ ኻብዘለዉ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ተነኣሰ 15 ዝኾኑ ደልይቲ ለውጢ እዮም፡፡ እሳቶም እውን፡ ኣይተ በየነ ምክሩ፡ ወ/ሮ ዘነበች ፍስሓ፡ ኣይተ ብርሃነ ገብረየሱስ፡ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቦ፡ ኣይተ  ነጋ ኣሰፋ፡ ዶ/ር ኢያሱ ኣብርሃ፡ ኣይተ  ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይሌ፡ ወ/ሮ ሰብለ ካሕሳይ፡ ኣይተ  ሃፍተኪሮስ ገብረማርያም፡ ኣይተ  ሩፋኤል ሽፋረ፡ ዶ/ር ኪሮስ ጉዑሽ፡ ኢንጂነር ኣርኣያ  ግርማይ፡ ኣይተ ሰለሞን መዓሾ፡ ኣይተ ኢሳይያስ ታደሰ እዮም፡፡ ካብቶም ብዘለናዮ ንቀፅል ባሃልቲ  ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ፤ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት፤ ረዳኢ ሓለፎም፤  ወ/ሮ ያለም ፀጋይ፤ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ይርከቡ፡፡

ንሳልሳይ ፍልፍል ዩኤምዲ ሚዲያ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ፤ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት፤ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም፤  ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቦ፣ ኣይተ ነጋ ኣሰፋ፣ ኣይተ በየነ መክሩ፣ ዝርከብዎም ለውጢ ይደልዩ። ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ ‘ናይ ህወሓት ፈፃሚ ስራሕ ምምራሕ ኣይከኣልን ይውረድ’ ዝብሉ ቁፅሮም ይበዝሑ። መሪሕነት ድማ ሓዱሽ ሰብ ካብ ማእኸላይ ከሚቴ ክኸውን ኣለዎ እዮም ዝብሉ ይብል ፍልፍልና።

 ወሲዅ’ድማ “ኣይኾነን እንኸዶ ዘለና መንገዲ ለውጢ ኣዕናዋይ እዩ” ኢሎም ዝከራኸሩ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ እውን ኣለዉ። ኣብዚ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ፣ ዶ/ር ፍስሃ ሃፍተፅዮን፣ ኣይተ ተኽላይ ገብረመድሂን ይርከቡ፡፡ ከም ሳልሳይ ፍልፍልና በሓፈሻ ካብ አባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ለውጢ ዝደልዩ እዮም ዝበዝሑ ካብ ለውጢ ዘይደልዩ፡፡

ቅዋም አባላት ማእኸላይ ኮማንድ

ካብቶም ጠቅላላ ሸውዓተ ኣባላት ማእኸላይ ኮማንድ እቶም ሓሙሽተ ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት፤ ኽልተ ሌተናል ጄነራላት፤ ሌተናል ጄነራል ፃድቃን ጥራሕ እዩ ለውጢ ዝደልን ዘድፍእን ብመሰረት ሓብሬታ ፍልፍላት ዩኤምዲ ሚዲያ፡፡

ቅዋም ወታሃደራዊ መራሕቲ

ብመሰረት ዋና ፍልፍል ዩኤምዲ ሚዲያ ካብ ወታሃደራዊ መራሕቲ ብዘይካ ሌተናል ጄነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ) ኩሎም ማለት ሜጄር ጄነራል ዮሃንስ ወልደጂዮርጊስ (ጆን መዲድ)፡ ብርጋዴር ጄነራል ምግበ ሃይለ፡ ብርጋዴር ጄነራል ተኽላይ ኣሸብር (ወዲ ኣሸብር)፡ ሜጀር ጄነራል ፍስሃ ኪዳኑ ( ፍስሃ ማንጁስ)፡ ብርጋዴር ጄነራል ሃይለስላሰ ግርማይ (ወዲ እምበይተይ)፡ ብርጋዴር ጄነራል ኣብርሃ ተስፋይ በርሀ (ድንኩል)፡ ብርጋዴር ጄነራል ጉዑሽ ገብረ፡ ኮሎኔል ተወልደ ገብረትንሳይ ደለይቲ ለውጢ እዮም፡፡  

ሳልሳይ ፍልፍልናውን ኣብ ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ለውጢ ግድን እዩ ዝብል እምነት ዘለዎም ሜጄር ጄነራል ፍስሃ ኪዳኑ ( ፍስሃ ማንጁስ)፤ ሜጄር ጄነራል ዮሃንስ ወልደጂዮርጊስ (ጆን መዲድ)፡ ብርጋዴር ጄነራል ተኽላይ ኣሸብር (ወዲ ኣሸብር)፡ ብርጋዴር ጄነራል ምግበ ሃይለ ብዋናነት ዝጥቀሱ እዮም ኢሉና።

መጠቃለሊ

እዚ ናይ ቅዋም  ፀብፃብ ሎሙ ለካቲት 15 2015 ዓ።ም። ብመሰረት ዝርኸብናኦ ሓበሬታ እዩ፡፡ ዝተለወጠ ሓበሬታ ተረኺብና ንተመልከቲና ኽነፍልጥ ኢና፡፡ ኸም መጠቃለሊ ዩኤምዲ ሚድያ ዝሓተቶም ኽልተ ተንተንቲ ዝሃቡና ሓሳባት ነቅርበልኩም፡፡

ሓደ ባዓል ነዊሕ ልምዲ ተንታኒ እቶም ለውጢ ይደልዩ እዮም ዝባሃሉ ውልቀ ሰባት ወፂኦም ባዕሎም ንህዝቢ ቅዋሞም ከፍልጡ ኣለዎም ኣብ ዲሞክራሲያዊ ማእኸላዊነት ምሕባእ ኽተርፍ ኣለዎ ይብል፡፡ንምንታይ እዩ ባዕሉ ኣብቲ ምይይጥ ኣብቲ ቃልሲ ዝነበሩ እቶም መናእሰይ ምሁራት ዘየሳትፎም? ንምንታይ እዩ እቲ ኣኼባታት ባዕሉ ኣብ ዝትወሰኑ ኣባላት ፖለቲካዊን ወታሃደራዊ መሪሕነት ጥራህ ተሓፂሩ ዝካየድ ዘሎ? ኢሎም ይሓትት ምስ ለውጢ ናይ ፖለተኢካዊ ለውጢ ኣድላዪነት ኣታሓሒዙ፡፡

ብዛዕባ እቲ ምምዕርራይ ብኹሉ ሸነኽ እዩ ኽዝረብ ዝስማዕ ዘሎ፡፡ ብሓቂ እቲ ምምዕራይ ኣብ ዘረባ እዩ ዘሎ፡፡ ኣብ ተግባር ዝግበር ዘሎ ግን ዘይምምዕርራይ እዩ ይብል፡፡ ብዘረባ ጥራሕ ዝግበር ተኾይኑ ካብ ዝተለመደ ናይ ኔትወርክ ኣሰራርሓ ብሱሩ ተዘይተወፂኡ እቲ ለውጢ ዝብሓል ዝፀንሐ ኔትወርክ ብሓዱሽ ኔትወርክ ምትካእ ኾይኑ ኸይተርፍ እዩ ናይዚ ተንታኒ ስግኣት፡፡ ፀገማትና ኹሉ ኣብ ዝኾኑ ውልቀሰባትን ናይ ደገ ሓይሊን ጥራሕ ብምድፍዳፍ ዝሕለፍ ኣይኾነይ ይብል፡፡

መንእሰይ ተንታኒ ድማ እቲ ሕቶ እቶም ለውጢ ኣይድግፉን ዝብሃሉ ዘለዉ ኣባላት ፈፃሚት ኾኑ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ‘ለውጢ እንድሕር ተገይሩ ኣነ ታይ እየ ክኾን? ኣብምንታይ እየ ኽዓልብ?’ ምስ ዝብል ምስ ዝተለመደ ጥቅሚ ዝተሓሓዝ ስግኣት ኣለዎም ይብል፡፡ ንቲ ዝድሎ ዘሎ ለውጢ ንኽሕግዙ ዝኾን መተባብዒ ወይም መለዓዓሊ ዝኾነ ነገር ኣሎ’ዶ የለን ኢሎም እዮም ዝሓስቡ፡፡ ለውጢ ምስ ህወሓት 51% ይሕዝ ድዩ ኣይሕዝን ምስ ዝብል ጥራሕ ክተኣሳሰር የብሉን ይብል እቲ ተንታኒ፡፡ ንኣብነት ንሓደ ሓደ ለውጢ ደለይቲ ወታሃደራዊ መራሕቲ ናይ ህወሓት 51% ሒዙ ምቅጻሉ ምስ ናይ ትግራይ ርግዓት ዝተኣሳሳር ገይሮም ወሲዶም ኸም ጠቃሚ  ነገር ክርእይዎ ይኽእሉ እዮም ይብል፡፡ ነቲ ተንታኒ እቱ ዓቢዪ ነጥቢ መራሕቲ ህወሓት ከተጣይሽዎ ዝደልዮ ዘሎ ናይ ትግራይ ግዚያዊ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ኸምዝገበሮ ባዕሉ ኸምድላዩ ዝውንኖ መንግስቲ ኣጣይሹ ንብርሃኑ ነጋን ንናይ ኣብን በለጠ ሞላ ብውልቆም ሓሪዩ ብ ካቢኒኡ ኸምዘእተዮም ዲዮም ን ኣብነት ነቶም 49% ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ካብ ተቃወምቲ ሓዊሱ ብቢውልቆም ሓርዮም ኸምፅእዎም ወይስ ነቶም ካብ ህወሓት ወጻኢ ዘለዉ ፓርቲታት ኾነ ኻልኦት ባዕሎም መሪፆም ንፓርቲኦም ንውዳበኦም ዝውክሉ ሰባት ናብቲ ዝጣየሽ ጊዚያዊ መንግሥቲ ንኽሰዱ ክስማምኡ እዮም ዝብል ሕቶ እዩ፡፡ ኣብ ሞንጎ ኽልቲኦም ናይ ኣካይዳን ናይ ትርጉምን ገፊሕ ኣፈላላይ ኣሎ እዩ ይብል ተንታኒ፡፡  

ብዛዕባ እዚ ፀብፃብ ሓንቲ ደላዪት ለውጢ ንዩኤምዲ ሚዲያ ኣብ ዝሃበቶ ሪኢቶ፡ “እቲ ኹነታት ተለዋዋጢ ምኳኑ፤ ናይ ሓበሬታት ሕፅረትን ፅርየትን ፀገማት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ነቶም ዘይወሰኑ፤ ቅዋሞም ዘየፍለጡ ላንጋ ላንጋ ልኾኑ ንለውጢ ኽድግፉ ንቶም ከምዝነበርናዮ ንኺድ ባሃልቲ ሓሳቦም ቀዪሮም ንለውጢ ኽሰርሑ ኣብ ዓዲ ዘለዉ ይኹኑ ኣብ ዲያስፖራ ዘለዉ ተጋሩ ነቶም መራሕቶ እናደወለሎም እናረኸብዎም ፀቅጢ ኽገብረሎም ይግባእ” ኢላ፡፡

“ኣብ ትሕቲ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ኣዲስ አበባ ዘሎ ስርዓት ዝበሎም ነገር ንምስምዕማዕ ብዙህ ርሕቀት ዝኸዱ ኣመራርሓታት ምስ ብፆቶም ምስ መቃልስቶም ተስማሚዖም ንህዝቦም ኽብሉ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ኽድግፉ ጥራሕ ዘይኾነስ ነቲ ለውጢ ኣብ ምምፃእ ኽሰርሑን ኣድላዪ ዝብሓል ነገር ኹሉ ኽገብሩ ኣለዎም“

UMD Media

View all posts