ኤፕሪል 18 2024

ሕቶ ‘ግዱስ ትግራዋይ ዲኤምቪ’

ዕለት፡ – ኤፕሪል 9 2024
ንUMD Media

ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዋሽንግተን ዝተገዝአ ህንፃ ዝምልከት ሕቶታት

ኣነ መበቆለይ ትግራይ እየ ኣብ ከባቢ ዲኤምቪ ካብ ዝነብር ንልዕሊ 20+ ዓመት ዝነብር። ኣነ ሞያዊ ኣካውንታንት እየ። ዝሓለፈ ሰሙን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ህንፃ ከም ዝገዝአ ሰሚዐ ነይረ፣ ከም ግዱስ ኣባል ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ  ሓበሬታ ክረክብ ፈቲነ ነይረ፡፡
ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገዝእዎ ህንፃ ዝኾነ ሓበሬታ ክህበኒ ፍቓደኛ ዝኸነ የለን። ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ዝተገዝአ ህንፃን መሳሊን ንብረት ሓበሬታ ንህዝቢ ክፉት እዩ ዝኾነ ሓደ ዘድልየ ሰብ ነቲ ሓበሬታ ብቐሊሉ ክረኽቦ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ኣሜሪካ ኣብ መብዛሕትአን ምስ ትግራይ ዝተሓሓዛ ትካላት ናይ ግዕዝይና ታሪኽ ስለዘለዎን ናብ ዝርዝር ሓበሬታ ምኻድ ናይ ገድን እዩ፡፡
ናይ ባዕለይ መጽናዕቲ ኽገብርን ብዝተኻእለኒ መጠን ብዛዕባ እቲ ህንፃን መስርሕን ከይዲ እቲ ዕድጊትን ዝርዝር ሓበሬታ ክእልሽ ወሰንኩ። መጀመርያ ኣብ ኣእምሮይ ዝመፅእ፣  ኣብ ዲኤምቪ ንብረት ንምግዛእ ትኽክለኛ ግዜ  ዲዩ ዝብል፡፡ ክልተ ነገር፡፡ መጀመርያ ኣብ ዓድና ኣብ ትግራይ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ፅንተት ኲናት ስድራታት አባ ብዙሕ ፀገም ኣብ ዘለዉሉን ብዙህ ሓገዝ ኣብ ዘድልየሉን ግዜ፣ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ክሕግዝ ኣብ ዝፍትነሉ ግዜ።  ናይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ቀዳማይ ተልእኾ እውን ካብ ዲያስፖራ ማሕበረሰብ ትግራይ ገንዘብ ኣኪብካ ኣብ ትግራይ ኢንቨስት ምግባር እዩ። ካልኣይ ኣብዚ ሀዚ እዋን ኣብ ከባቢ ዲኤምቪ ዘሎ ዋጋ ህንፃ ኣዝዩ ዘይተለምደ ክቡር ኮይኑ ወለድ ድማ ናብ ልዕሊ 7% ዝዘለለሉ እዩ። ነቲ ህንፃ ክትገዝእ ዘገድደካ ኩነታት እንተዘይሃልዩ ኣብዚ ሀዚ እዋን ህንፃታ ምግዛእ ኣይምከርን።
እቲ ዝረኸብዎ መረዳእታ ከምዚ ይመስል፡፡
ኣብ 3717 Georgia Avenue NW Washington DC 20010 ዝርክብ ህንፃ ብ$1,100,000.00 (ሓደ ሚልዮን ሓደ ሜቲ ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ) ብጥረ ገንዘብ እዮም ዓዲጎምዎ ዘለዉ። እቲ ህንፃ ንመሸጣ ናብ ዕዳጋ ዝወፅአ ብ  ፌብሩዋሪ 1፤ 2023  ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ እዩ፡፡  ንሓሙሽተ ወርሒ እቶም ሸየጥቲ ኽንገዝአኩም ኢና ኢሉ ዋጋ ዝሓበ ኣካል ኣይረኸቡን፡፡ እዚ ማለት ዝኾነ ሰብ ነቲ ህንፃ ክገዝእ ኣየድልዮን፡፡  ክልተ ምኽንያታት ዋጋ ኣዝዩ ልዑል ኾይንዎም፣ ወይ ድማ እቲ ህንፃ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ዘየለ ኾይንዎም። እቲ ህንፃ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዕዳጋ እንድህር ፀኒሁ ዋጋ ንምቅናስ ንምድርዳር ዝኸውን ዕድል ነይሩ ማለት እዩ።
ብተወሳኺ እቲ ዝተዓደገሉ መገዲ ብጥረ ገንዘብ ምስ ምዃኑ ዋጋ ንምንካይ ዝያዳ ብልጫ ኣለካ ነይሩ ማለት እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ እቲ ህንፃ ኣብ ዕዳጋ ንሓሙሽተ ወርሂ ብዘይ ዓዳጊ ዝፀንሐሉ ተመሳሳሊ ዋጋ 1.1 ሚልዮን ዶላር ንምግዛዕ ወሲና።

እዚ ድማ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ብሕማቕ መጋዝኢ ወኪል ከም ዝተወከለት ዘርኢ እዩ። ብዛዕባ እቲ ወኪል ዝርዝር ሓበሬታ ክረክብ ፈቲነ ነይረ። እቲ ወኪል ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ዝውክል ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ Bright MLS website ስም የብሉን፣ ቁፅሪ ስልኪ የብሉን፣ ኢመይል የብሉን፣ ቁጽሪ ፍቓድ ውክልና የብሉን። እዚ ማለት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ኣብዚ ዕድጊት ህንፃ ብዘይሞያዊ ወኪል እያ ተወኪላ ማለት እዩ። እዚ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ነቲ ህንፃ ብልዑል ዋጋ  ክትዕድግ ዝገበራ ዋና ምኽንያት  ክኾን ይኽእል እዩ።

ግን ንምንታይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ሕማቕ መጋዝኢ ወኪል ክትመርፅ ወሲና?  ምስ ገለ ምጥፍፋእ ገንዘብ ዘሎ ምትእስሳር ክኸውን ይኽእል?

ንሓበሬታኹም ኣብዚ ኣብ ዲኤምቪ ብዙሓት ብጣዕሚ ፅቡቕ ምኩራት ተጋሩ ሪል እስቴት ወኪላት ኣለዉ፡፡  ርኢቶኦም ክሓትት ፈቲነ ነይረ፡፡ ብናይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ቤት ፅሕፈት ቀሪቡ ዘዛረቦም ተሓለወ ኢለ ሓቲተዮም ነይረ፡፡ ኩሎም የለን ኢሎምኒ።

መስርሕ እቲ ዕድጊት ዝኾነ ዘጠራጥር ነገር ኣለዎ፡፡ በዚ መስርሕ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ካብዚ ዕድጊት ኣሽሓት ዶላራት ስኢና እያ። ናይ ህዝቢ ገንዘብ ወይ ባኺኑ ኣሎ ወይ ተበሊዑ ኣሎ። ነቲ ሓቂ ንምፍላጥ ናይ ኦዲት ምርመራ የድልዮ እዩ።

ንሀዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ህንፃ ክህብ፡፡
 እቲ ህንፃ ብ1900 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዝተሰርሐ እዩ፡፡ እዚ ማለት ክግዛእ ከሎ 123  ዓመት ዝዕድሚኡ ህንፃ እዩ፡፡ ዓይነቱ ናይ ታውን ሓውስ ዝብሓል ኮይኑ ኮይኑ ኣርባዕተ ክፍልታት ጥራይ ኣለዎ ብድምር፡፡  
እቲ ህንፃ ብጁላይ 30፤ 2001 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ  ብ$137,000 (ሓደ ሚእቲ ሰላሳን ሸውዓተ ሽሕ ዶላር) ተሸይጡ። እንደገና ድማ ኣብ ወርሒ ጃንዋሪ 2013 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ$535,000.00 (ሓሙሽተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕ ዶላር) ተሸይጡ ኣብ መወዳእታ
 ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ብ$1,100,000 (1.1 ሚሊዮን ዶላር) ዓዲግዎ ኣሎ። ብናይ ምስ ናይ 2013 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዋጋ ክነፃፀር ከሎ ብዕጽፊ ማለት እዩ።

Redfin ዋጋ ናይቲ ህንፃ ኣብ ሎሚ ኤፕሪል 9 2024 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ  $660, 942.00 (ሽዱሽተ ሚእትን ስሳ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን ዶላር)  ኢሉ እዩ ገሚትዎ።

ካብ ግዱስ ትግራዋይ ዲኤምቪ
ብጣዕሚ፡ የቐንየልይ



ምስቲ ንብረት ዝተኣሳሰር ዓሰርተ ኣርባዕተ ገጻት ሰነድ ተተሓሒዙ ኣሎ።


ስሞም ኽግለፅ ዘይደለዩ ተኸታታሊና ነዚ መልእኽቲ ምስ ለኣኹልና ተወሳኺን ዝርዝር ሓበሬታት ክህቡና ኢልና ብስልኪ ኣዘራሪብናዮም ፡፡

ንመነፃፀሪ ዝለኣኹልና ኣብ እቲ ኣዋርሕ ኣብቲ ኸባቢ ካብ ዝተሸጠ ህንፃ ኣብነት ሂቦም ጀሚሮም::

“ሴፕቴምበር 12፤ 2023 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ  ብ975 ሺሕ ዶላር  ኣብ ዕዳጋ ወፂኡ ብዕለት ሴፕተምበር 27 2023 ብ 850 ሺሕ ዶላር ማለት ትሕቲ 125 ሺሕ ዶላር ወሪዱ ተሸይጡ። ስፍሓቱ 2500 ካሬ ፊት ኮይኑ ብ 1910 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ  ዝተሃነፀ እዩ ።
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ዝገዝኦ ድማ ብ1900 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዝተሃነፀ ኮይኑ (በ10 ዓመት ዝኣርግ) ብስፍሓት  2263 ካሬ ፊት ካብቲ ናይ ተነፃፃሪ ህንፃ ይንእስ።
ግምት ዋጋ ክራይ ናይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ህንፃ ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 7 ሽሕ ዶላር ኣብ ወርሒ እዩ። ነዚህ ዋጋ ኪራይ ዋጋ ሚልዮን ህንፃ ምግዛእን ምክራይን ዝኾነ ይኹን ረብሓ የብሉን። ካብዚ ብተወሳኺ እዚ ህንፃ ዝኣረገ ስለዝኾነ ናይ ፅገና ወፃኢታቱን ምሕደሩን ልዑል ክኸውን እዩ። ፍጹም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ነታ ህንፃ ምግዛእ ትርጉም የብሉን፡፡. ካሊእ ዝተፈለየ ምኽንያት ተዘይሓሊዎውም ። ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ቤት ፅሕፈት ከድልዮም ይኽእል እዩ፡፡  ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዲሲ ቤት ፅሕፈት ምክራይ ምስ ምግዛእ እንትነፃፀር ኣዝዩ ርካሽ እዩ፡፡ ድሕሪ ኮቪድ ከምቲ ትፈልጥዎ ብዙህ ሰብ ካብ ገዛ ኮይኑ ስራሕ ስለዝሰርሕ ብብዝሓት ኣብ ዲሲ ዘሎ ናይ መስሪያ ቤት ህንፃታት ባዶ ስለዝኾነ እታ ከተማ ህንፃ መስሪያ ቤታት  ናብ መንበሪ ኣፓርትመንት ክትቅይር ጀሚራ እያ፡፡” ኢሎምና ::

ሕቶታት UMD Media


እዚ ሓበሬታት ሒዝና ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ በፌስ ቡክ ገፆም፤ ብወ/ሮ ለምለም ወልደኣረጋይ ብዋትስኣፕ ከምኡውን ካብ ፌስቡክ ገፆም ብዝረኸብናዮ ኢሜል ኣድራሻ ጌርና እቲ ናይ ተኸታታሊና መልእኽቲን እተን ዝስዕባ ሕቶታት ብኤፕሪል 11 ልእኺናሎም፡፡
  1. ነቲ ዝቀረበ ሓበሬታን ስኽፍታን ሓፈሻዊ መልሲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ቤት ፅሕፈት  እንታይ እዩ?

ብፍላይ

  1. ንምንታይ በቲ እዋን ንምግዛእ ተወሲኑ?
  2. መን ይብሃላ/ትብሃል እቲ መጋዝኢ ወኪል ንምንታይ ስሞም ዘየለ
  3. ንምንታይ ብጥረ ገንዝብ ንምግዛእ ተውሲኑ
  4. ንምንታይ ዋጋ ምቅናስ ዘይተክኻኣለ ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ዕዳጋ ምስ ምፅንሑን ብጥረ ገንዝብ ምስ ምግዛእኹምን?
  5. ኣብ ጁላይ 2023 ምስ ተዓደገ እስካብ ሀዚ ንምንታይ ን ኣባላትኩም ዘይተናገርኩም (እቶም ዝለ ኣኹልና እቲ ናይ ምርቃት አድቨርታይዝመንት እስካብ ዝወፅእ ማንም ዝፍልጥ የለይ ስለዝበሉና)
  6. ምስቲ ዕድጊት ተተሓሒዙ ዝተበልዐ ገንዝበ ኣሎ ዶ?
  7. ብሓፈሻ ምስ ናይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ገንዝብ ምትእኽኻብን  ኣብ ምንታይ ኣብ ምንታይ ከምዝወዓለን ተተሓሒዙ ኣብ ዝለዓሉ ሕቶታት ዝርዝርን ጥሉልን ሓበሬታ ዝደልዩ ኣባላትን ሓፋሽን በምንታይ መስርእ ነቲ ሓበሬታ ኽረ ኽቡ ይኽእሉ?
  8. ናብ UMD Media ንቃለ መሕትት ኽቀርብ ዝክዕል ሰብ ትህቡና  ክእሉ ዶ?

መልሲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ

ብፀሓፊ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ኣይተ ኢሳይያስ ኣባይ ሰሉስ (ኤፕሪል 16) ቦርድ ተኣኪቡ መልሲ ክህቡና ከምዝኾኑ ኣፍሊጦምና ብሰንበት (ኤፕሪል 13) ከነውፅኦ ዝነበርና ፅሑፍ ኣዶንጊናዮ፡፡ ብዕለት ኤፕሪል 18 ብእንግሊዝኛ ዝተፅሓፈ በዓል ክልተ ገፅ መልሲ ሂቦምና ከምዝስዕብ ምስተን ሕቶታት ኣዋዲድና ብትግረኛ ኣቅሪብናየን ኣለና፡፡

  1. ነቲ ዝቀረበ ሓበሬታን ስኽፍታን ሓፈሻዊ መልሲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ቤት ፅሕፈት  እንታይ እዩ? 

ንዝብል ሕቶ

መልሲ፡ ቦርድ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ሰፊሕ ናይ ሪል እስቴት ምትእልላሽ ብምግባር ምኽሪ ካብ ክኢላታት ብምሕታትን ብዙሓት መጋዛእቲ ወከልቲ ብምጥቃም ኣብቲ ከባቢ ምቹእ ዋና ቤት ጽሕፈት ንምርካብ ገዛ ዕዮኡ ሰሪሑ እዩ ። እቲ ቦርድ በቲ ቦታን ነቲ ዕድጊ ዝሓዘሉ ኣገባብን ብጣዕሚ ሕጉስ እዩ።

  • ንምንታይ በቲ እዋን ንምግዛእ ተወሲኑ?

መልሲ፡ እቲ ቦርድ ድሕሪ ሊዝ/ክራይ ዶ ምዕዳግ ዋና ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝብል ሰፊሕ ዘተን ምምኽኻርን ድሕሪ ምግባር ንዋና ቤት ፅሕፈት ዝኾን ሕንፃ ክገዝእ ወሲኑ ። እቲ ቦርድ ቅድም ኢሉ ንመዓልታዊ ስርሒታቱን ንመጻኢ ብኲናት ንዝዓነወት ትግራይ ንምሕዋይ ዝሰርሖ ስራሕን ቤት ጽሕፈትን ቀዋሚ ኣድራሻን ወሳኒ ምኳኑ ተገንዚቡ፡፡ ህንጻ ዋና ቤት ጽሕፈት ምውናን  ምክራይን ዘለዎ ረብሓ ድሕሪ ምውድዳር እቲ ቦርድ ነቲ ህንጻ ክገዝኦ ወሲኑ። ነቲ ዕድጊት ንምዝዛም ልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ሰፊሕ መጽናዕትን ወሲዱሉ፡፡  

  • መን ይብሃላ/ትብሃል እቲ መጋዝኢ ወኪል? ንምንታይ ስሞም ዘየለ?

ንዝብል ሕቶ

(ኣብ ቁፅሪ 1 “ብዙሓት መጋዛእቲ ወከልቲ” ካብ ዝብል ወፃኢ መልሲ ኣይተውሓበሉን)

  • ንምንታይ ብጥረ ገንዝብ ንምግዛእ ተውሲኑ

ንዝብል ሕቶ

መልሲ፡ እቲ ህንፃ ዋና ቤት ፅሕፈት ብናይ ሓፂርን ነዊሕን ልቓሕ ብዘይ ወለድ እቱ ተዓዲጉ። እቲ ሸያጢ ነቲ ዕድጊ ካባኡ ክንምውሎ (ሞርጌጅ ፋይናንስ) እኳ እንተደለየ፡ እቲ ቦርድ ግን ንወለድ ገንዘብ ከውጽእ ኣይደለየን ወለድ ኣብ እዋን ዕድጊ ሓፍ ልበለ ስለዝነበረን ፣ ሳላ ንዕብየት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ጽቡቕ ዕላማ  ዘለዎም ገለ ተጋሩ ብዘይ ምንም ወለድ ገንዘብ ክንረክብ ስለዝኸኣልናን፡፡ .

  • ንምንታይ ዋጋ ምቅናስ ዘይተክኻኣለ ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ዕዳጋ ምስ ምፅንሑን ብጥረ ገንዝብ ምስ ምግዛእኹምን?

ንዝብል ሕቶ

መልሲ፡ እቲ ቦርድ ኣብ መጀመርያ ትሕቲ ኣብ ዕዳጋ ዝወፀሉ ክገዝኦ ፈቲኑ ነይሩ እዩ። ብሓቂ ንልዕሊ 2 ወርሒ ተፀቢና ነይርና ኢና እቲ ዝሓብናዮ ዋጋ ንኽዕወት። ኣይኮነን፡፡ እቲ ሸያጢ ነቲ ናትና መጀመርያ ዝሓብናዮ ዋጋ ተይክነስ በቲ መበገሲ መሸጣ ዋጋ ክሸጦ ቀሪቡ ነይሩ። እቲ ቦርድ እቲ ሰፈር ክሕለፍ ዘይነበሮ ኣዝዩ ጽቡቕ  ዝለዝነበረ በቲ ዝተሓተተ ዋጋ ክገዝኦ ወሲኑ።

  • ኣብ ጁላይ 2023 ምስ ተዓደገ እስካብ ሀዚ ንምንታይ ንኣባላትኩም ዘይተናገርኩም (እቶም ዝለ ኣኹልና እቲ ናይ ምርቃት አድቨርታይዝመንት እስካብ ዝወፅእ ማንም ዝፈልጥ የለይ ስለዝበሉና)

ንዝብል ሕቶ

መልሲ፡ ቦርድ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ህንፃ ዋና ቤት ፅሕፈት ከምዝዓደገ ንኣባላቱን ህዝብን ኣብቲ ኣብ ሓምለ 2023 ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ዝተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣፍሊጡ እዩ። ኣብ እዋን መስርሕ ዕድጊትውን ምስ ኩሎም ጨንፈራት ክልተ ናይ ዙም ኣኼባታት ኣካይዱ እዩ።

  • ምስቲ ዕድጊት ተተሓሒዙ ዝተበልዐ ገንዝበ ኣሎ ዶ?

ንዝብል ሕቶ

መልሲ፡ እቲ ቦርድ ዝፈልጦ ኣብ እዋን ዕድጊት ዘይግቡእ ወፃኢ ዝተገበረ ገንዘብ የለን። እቲ ኸይዲ ዕድጊት (ትራንዛክሽን) ቀሊልን ንጹርን እዩ ነይሩ፡፡ ሰነዳት ድማ ብስርዓት ኣለዉ።

  • ብሓፈሻ ምስ ናይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ገንዝብ ምትእኽኻብን  ኣብ ምንታይ ኣብ ምንታይ ከምዝወዓለን ተተሓሒዙ ኣብ ዝለዓሉ ሕቶታት ዝርዝርን ጥሉልን ሓበሬታ ዝደልዩ ኣባላትን ሓፋሽን በምንታይ መስርእ ነቲ ሓበሬታ ኽረኽቡ ይኽእሉ?

ንዝብል ሕቶ

መልሲ፡ እቲ ቦርድ ሕቶታት ክቕበልን ክሰምዕን ድልው እዩ። ዝኾነ ሰብ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክረኽበና ይኽእል እዩ [email protected]  ወይ ድማ [email protected] ኣብ https://tdana.org እውን ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም፡፡

8) ናብ UMD Media ንቃለ መሕትት ኽቀርብ ዝክዕል ሰብ ትህቡና  ክእሉ ዶ?

ንዝብል ሕቶ

መልሲ፡ እቲ ቦርድ ኣብ UMD Media ንቃለ መሕትት ክቐርብ እንተ ወሲኑ ክንሕብረኩም ኢና።

UMD Media

View all posts

Add comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *