መእተዊ

ንቡዙሕ እዋናት እናተዋህለሉ ዝመፁ ፀገማትናን፤ ሳዕቤን እቲ ናይ ሐዚ ኲናት ዝኾኑ ዝተሓላለኹ ፀገማትን ተደማሚሮም እቲ ዘለናዮ ኩነታት ህፁፅ ፍታሕ ዝጠልቡ ኣዝዮም ገዘፍቲ ኩለመዳያዊ ቅልውላዋት ኣብ ዝጠጥዕሉ እዋን ክንርከብ ገይሩና ኣሎ። ካብቲ ባህሪ ዘለናሉ ኹነታት ተበጊስና ኢና ድማ ምጥያሽ  ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ብህፁፅ ክግበር ዘለዎ ወሳኒ ምዕራፍን እዩ ዝብል እምነት ዝሓዝና።

ህውኽውኽ ኢልና ክኾን ዝግብኦ ከይንገድፍ ፥ ክነፃፍፍ ኢልና ድማ ንእንምነያ ትግራይ ድልዱል ሰረት እነቕምጠሉ ምዕራፍ ከይነበላሹ ብውሕሉል ጥበብ ክንሰርሕ ይግበአና። እዙይ ኣብ ግምት ብምእታዉ ካብ ህልኽ፣ ኣነነትን ግትርነትን ወፃኢ ብዝኾነ መስርሕ ፤ ኣብ ልዝብን እንካሃባ ሓሳባትን ምርድዳእን ምትእምማንን ዝተመስረተ ሓቛፋይ ፥ ግልፂ፥ ኣሳታፊ፥ ተኣማኒንን ቅቡልን ከይዲ ገይርና እቲ ግዝያዊ ምምሓዳር ነጣይሾ ካብ ዝብል እምነት ተበጊስና እዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ነቕርብ ኣለና።

ምድንጓይን ሕቱኽቱኽን ንውሽጣዊ ንሕንሕን ምትህልላኽን ኣቃሊዑ የዳኽመና ጥራይ ዘይኮነስ፤  ምትእትታዉ ግዳማውያን ሓይልታት ዝዕድምን ኣደዳ ሰናይና ዘይደልዩ ሓይልታት እዩ ዝገብረና። ኸይዱ ኸይዱ ድማ ጥራሕ ዝባንና ኣቃሊዑ ዝብትነናን ኢድና ክንህብ ዝገብረናን ኹነታት እዩ ዝፈጥር ። ክብሪ(dignity)ን መሰል ርእሰ ውሳነን ትግራይ ዘይትንክፍ ሰረት ልምዕትን፥ ዴሞክራስያዊትን ሰላማዊትን ትግራይ ዘንብር ምዕራፍ ገይርና ክንጥቀመሉ ዝግባእ ኩነት እዩ። ለውጢ ግድን ምዃኑ ኣሚንካ ንትግባርኡ ምስራሕ ምህላውን ዘይምላውን ወይ ከም ህዝቢ ምቕፃልን ዘይምቕፃልን ዝውስን ታሪኻዊ ተልእኾ እዩ። ዓቕሚታት

ትግራይን ተጋሩን ብዝለዓለ ብርኪ ዘኽተተ (Moblize ዝገበረ) ከይዲ ክኾን፤ እዚ ኹነታት ተኸፋፊልናን ተበቲናንስ ይትረፍ ኩላትና ከቲትና እኳስ ካብ ንቡር ሕልፍ ዝበለ ፃዕሪ ዝሓትት ምኻኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ ኢልና ንኣምን ።

ካብዚ ስግግር እዋን እንፅበዮ እንታይ እዩ?

ነታ እንምነያ ልምዕቲ፥ ዴሞክራስያዊትን፥ ሰለማዊትን ትግራይ ንምህናፅ ፅኑዕ መሰረትን እምነ ኩርናዕን እነቕምጠሉ፣ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ትግራይ ሓዱሽ ኩትሞ (new paradigm) ከምፀአልና ዝህቅን፤ ምዕሩይ/ግቡእ ኣወዳድባ መንግስቲ ክህልወና መንፀፍ እነቕምጠሉ፤ ማለት ፓርትን መንግስትን ዝፍለዩሉ፥ ፖለቲካዊ ነፃነትን ሰብኣዊ መሰላትን ትካላውነትን ዘረጋግጽ፥ ተሓታትነት፣ ግልፅነት፣ ኣሳታፍነትን ፣ለውጥን ቀፃልነትን (change and continuity) ዘማእዝኖ ግዝያዊ መንግስቲ ምምስራት ትፅቢት ብዙሓት እዩ ኢልና ንኣምን።

ካብዚ ዓሚቕ ትምኒትን ትፅቢትን ብምብጋስ ኢና ድማ አብዚ ወሳኒ ናይ ስግግር ምዕራፍ፥ ኣመራርሓ እዞም ዝስዕቡ ትካላት፥ ማለት እውን፦

1. ኣባላት ጉባዔ ምሕደራ ዳያኑን ፕሬዚዳንታት ማዕከላይ፣ ላዕላዋይን፣ ፈላማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ፤

2. ሓለፍቲ ሲቪል ሰርቪስ ቢሮ፤

3. ናይ ሚዲያታትን ናይሲቪል ማሕበረሰብ ዝምልከቱ ቦርድታትን ሓለፍትን ብዝመልከቶም ሰብ-ዋኒን (Stakeholders) ርዕይቶ ዝተውሃበሎምን ብኹሎም ውድባት ድጋፍ ዝረከቡ ጥራሕ ክኾኑ ይግባእ።

ስለዚ፡

ሀ) መንግስትነት ብግቡእ መሰረት ምቕማጥ (the design of beginning or foundation of  state_democratic independent state)፡ እዞም ልዕል ኢልና ዝገለፅናዮም ካብ ፓርት ዝፈሊ ማለት እዩ። ፖለቲካዊ ምሕደራና ዘመዓራሪ።

ለ) ሰላም ዘረጋግፅ፡ ተጀሚሩ ዘሎ ንድሕሪት ከይምለስ ዝገብር፣ ዝተፈናቐለ ናብ

ቢትኡ ዝምልስ፣

ሐ)  restoration, rehabilitation,  reconstruction ዘካይድ፣

መ) ንመረፃን ብመረፃ ዝመፅእ መንግስትን ዘመቻችው፡ ፖለቲካዊ ስግግር ዘራግፅ

እዞም መሰረታዊ ትፅቢትና ወይ ዕላማና ዘፈፅም ኢና ነጣይሽ።

ሐ. ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ

ትግራይ ኣብ ትሕቲ ደው ዘይበለ ወራር ዘርኢ ምፅናት ፥ ዝተአከበን እጁልን ቁጠባዊ ቅልውላው፥ ሰፊሕ ምፍንቓልን ዓሚቕ ስነ-ልቦናዊ ቅልውላውን፣ ኣብ ትሕቲ ዘይርጉዕን ኣዝዩ ተኣፋፋይ ጂኦግራፊያዊ  ዞባ ምህላው፣ ከምኡ እውን ኣብ ኣዝዩ ድሑር ድርዕቶ ልምዲን ኣብ ዝጠሓለትሉ እዋን ዝፍጠር ዘሎ ኣዝዩ ተዃሳሒ ኩነታት አለና፡፡

መንግስቲ ብዘምጥያሽና ኣብቲ ፀገም ተወሳኺ ፀገም ይኸውን ብምህላው ፤ ምጥያሽ መንግስቲ ብቕልጡፍ ክዕመም ዘለዎ ዕዮ ኾይኑ ይርከብ። ብዝደንጎና ቁፅሪ ንሰፊሕ ተስፋ ምቑራፅ ይዳርገና ኣሎ እዩ። ስለዚ ነቲ ከይዲ ንምሕጋዝ፣ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሱ ሽቶታት ንምርግጋፅ ዘክልኽእል፣ ናይ ህዝብን ናይ ኹሉ ወገን ድልየት ንምጥዕዓም ዝፍትን፣ ብሓፂር እዋን ክግበር ይኽእል ኢልና ዝኣመንናዮ መበገሲ ሓሳብ ኣቅሪብና ኣለና።

እቲ ከይዲ ኣሳታፊ፣ ግልፂ/ዴሞክራስያዊ፣ ተኣማኒ፣ ቅቡል ክኾን ኣለዎ። እዙይ ማለት ኩሎም ክሳተፉ ዝግበኦም ምስታፎም ዘረጋግፅ፥ እቶም ዝሳተፉ ተወከልቲ ብግቡእ ዝተወከሉ ምዃኖም ዘረጋግፅ፥ ንዙይ ዝዕዘብ ድማ ዘይሻራዊ ኣካል ይህሉ።

እቶም ዝሳተፉ ሰብ ጉዳይ (ስቴክሆልደርስ)፡

ሀ) ሰራዊት ትግራይ፡ እዚይ እቲ ዝለዓለ መስዋእትን ዋጋን ዝኸፈለ፣ ንኹሉ ዝውክል ማለት ውድባት ኣባላት ዘለውዎ፣ ሓረስታይ፣ መንእሰይ፣ ደቂ ኣነስትዮ፣

ሰብ ተሙኩሮ፣ ሙሁራትን ሰብ ሞያን  ወዘተ ዘለውዎ ስለዝኾነ ግዝፍዝበለ ብፅሒት ዝሕዝ ክኾን ይግባእ

ለ) ህወሓት፡ ይሕመቕ ይፀብቕ ክሳብ ሐዚ እናመርሐ ዝመፀ፣ ብዙሕ ኣባል ዘለዎ፣ ኣብቲ ቢሮክራሲ ይኹን ካሊእ ብዙሕ ኢድ ዘለዎ ስለዝኾነ ቀፂሉ ግዝፍ ዝበለ ብፅሒት ሒዙ ይሳተፍ

ሐ) ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ቀፂለን ግዝፍ ዝበለ ብፅሒት ዝሕዛ እየን። ናይ ትግራይ ጉዳይ የገድሸና እዩ ኢለን ዝተወደባ ክሳብ ዝኾና ሓሳበን ክስማዕን ብግቡእ ክሳተፋን ኣለዎን። እዚአን ውድብ ናፅነት ትግራይ፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ባይቶና ዓባይ ትግራይ…ማለት እዩ።

መ) ሲቪል ማሕበራት፣ ሙሁራት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ንግዲ ማሕበራት. .ድማ እቲ ዝተረፈ ብፅሒት ሒዘን ይሳተፋ።

እዚኦም ብሓባር ኮይኖም ዘጣይሽዎ ‘ካውንስል’ እዩ ከጣይሽ ዘለዎ።

ናይዚኦም ስራሕ ሓደ፡ ንኹሎም ዘማእኽሎም ተቖፃፃሪ የጣይሹ (ብፍላይ እተን ውድባት ኣብዙይ ክረዳድኣለዎን) ፡ እቶ ተጀሚሩ ዘሎ ኮሚቴ ብምትዕርራይ ክኾን ይኽእል። ክልተ፡ ፕረሲደንት ይመርፁ። ሰለሰተ፡ ብቲ ፕረስዲንት ዝቐርቡ ካብተን ተቓወምቲ ውድባት፡ ህወሓት፡ ሰራዊት ትግራይ ዝምዝዙ ካብኔ ኣባላት የፅድቑ። ኣርባዕተ፡ ገዘፍቲ ዕማማት እቲ ካቢኔ ነፂሮም ይህቡ ወዘተ።

1) ቤት ምክሪ ክልል ትግራይ ዝምልከት

ቤት ምክሪ ክልል ትግራይ ብኹሎም ውድባት ስምምዕ ዝተበፅሐሉ ናይ ግዜያዊ መንግስቲ መጣየሺ  አዋጅ ኣፅዲቁ ነዊህ ዕረፍት (recess) ይገብር። እቲ ቤት ተመሊሱ ዝፅዋዕ፥ እቲ ግዜያዊ መንግስቲ እንተፈሺሉ ወይ ዕድሚኡ ምንዋሕ እንተኣድልዩ፣ ሕገመንግስቲ ንምምሕያሽ፣ወይ መሰል ፍሉይ ጉዳይ እንተተፈጢሩ ጥራሕ ይኸውንን።

2) ግዚያዊ መንግስቲ መሓውር

አቲ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ናይ ቤት ምክሪ ስልጣን ደሪቡ ብዝሰርሕ (ኣዋጅ ናይ ምውፃእ ስልጣን ብዘለዎ) ካቢኔ ዝምራሕ ይኾን። ቁፅሪ ኣባላት እቲ ካቢኔ ካብ ቁፅሪ ቢሮታት ዝገፍሐ ይኾን። ንኣብነት 30-40 ብድምጺ ዝሳተፉ ኣባላት ይሕልዎ። እዚውን ኣድላይ ዘይኾነ ቢሮ ምጥያሽ ዘየግድድ (ዝተወሰኑ ምክትላትን ሓለፍቲ ጽ/ቤታትን ኣባል እቲ ካቢኔ ጌርካ ብምውሳኽ  ናይ ተሳትፎ ዕድል ንምግፋሕ የኽእል። ናይ ካቢኔ ወንበርን ናይ ቢሮን ካልኦት ሹመታት ብድርድር፣ ብሓደ ዝሰኣነ ብካሊእ ብዝካሐሰሉ ከይዲ፣ ተሾመቲ ዕውት ዝኾኑሉ ኣድላይ ሓጋዚ ምትዕርራይ ብዘካተት መንገድ ይውሰን ይፍጸም።

ፕረዚዳንት እቲ ጊዜያዊ መንግስቲ ኹሎም ፓርቲታት ዝስማምዑሉ ሰብ ይኾን። ምስምዕማዕ እንተዘይክኢሎም 3/4ይ ድጋፍ ዝረኸበ ሕፁይ ይሓልፍ። ናይ ሕፁያት ጥቆማ ብግቡእ ተሳትፎን ብግልጺ ከይዲ ይእከብ። ተመራፂ ኣብቲ ናይ ግዜያዊ መንግስቲ መጨረሻ ኣብ ዝካየድ መረፃ ቤት ምክሪ ከምዘይወዳደር ብግዜያዊ መንግስቲ መጣየሺ ኣዋጅ ይእገድ። እዚ ምግባር እቲ ፕሬዚደንት ኣብተን ተነፂረን ዝወሃበኦ ስራሕቲ ጥራሕ ንከቶኩርን ናይ መፃኢ ስልጣን እናሓሰበ ኣብ ናይ ስልጣን ሕቱኽቱኽ ከይውዕል ንምግባር እዩ።

ብስምምዕ ዝስየም ፕሬዚዳንት ካብ ኹሎም ፓርቲታት ወፃኢ እንተኾይኑ፥ ዕውት ንምኾን ዘድልዮ/ዘድልያ ኣድላይ ምትዕርራይ ዝገብረሉ ኹነታት ፓርቲታት ብስምምዕ ይፈቅዱ። እዚ ማለት ንምምራሕ ዝፅገም ሰብ ኣቕሚጦም ብድሕሪኡ ምስሕሓብን ምጉትታትን ኣይክእሉን።

3) ናይ ሓጻር ዕዋን ጉጅለ ፋሲሊቴተር/ሽማግለ

ፓርቲታት ዝገብሩዎ ድርድር ንቲ ምጥያሽ መንግስቲ ክድንጉዮ ስለዘይግባእ፥ ኣብ መሰረታዊ ነገራት (መጣየሺ ኣዋጅ፣ ቁፅሪን ድልድልን ካቢኔን ቢሮታትን፣ ናይ መስርሒ ኣንፈታትን) ብቅልጡፍ ተስማዕሚዖም መንግስቲ የጣይሹ።

ኣብቶም ዝተስማምዑሉ ነገራት ኣፈፃፅማን ካልኦት ዝርዝር ጉዳያት ዝግበር ድርድር ዝመርሑ ን3 ኣዋርሕ ዝፀንሕ 7 ሰባት ዘለዎ ናይ ኹሎም ስምምዕ ዘለዎ ፋሲሊቴተር ጉጅለ የጣይሹ።

4) ግልጽነትን ቅንዕናን

ኹሎም ተሳተፍቲ ሰባትን ውድባትን ነዚ ከይዲ ብቅንዕና ከምዝፍጽሙ መሓላ ብሽም ብምፍጻም ይብገሱ።

ስሩዕ ብዝኾነ መልክዑ ንሚዲያ እዋናዊ ሓበሬታን መብርሒን ብኾሎም ወገናት ይወሃብ።

ኹሎም ተሳተፍቲ ወገናትን ሰብ ሚዲያ ንዚ ብዘይሻራዊነትን ብቅንዕናን ካብ ትግራዋይ ግዱስነት ተበጊስና ዘቅረብናዮ ሓሳብ ብቅንዕና ርእዮም ከመሓይሹዎን ብቅልጡፍ ናብ ስራሕ ንምእታው ከም መበገሲ ክጠቀሙዎ ንላቦ።

ለካቲት 8/2015 መቐለ-ትግራይ

UMD Media

View all posts