ብpdf ልምንባብ

መእተዊ

“ትግራይ ኣብ ቐራና መንገዲ፡ ለውጢ ደለይቲን ኸምዘለናዮ ንኺድ ባሃልቲ ፖለቲካዊን ወታሃደራዊ መራሕቲ ትግራይ” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ መጀመሪያ ናይ ዩኤምዲ ሚዲያ ፀብፃብ ብየካቲት 15 2015 ምስ ወፅአ ዝተፈላለዩ ግብረ መልሲታት ዩኤምዲ ሚዲያ ረኺባ ኣላ፡፡ እቶም ግብረ መልሲታት ካብ ቐለልቲ እርማት ንኣብነት ናይ ማዕረግ ስሕተት ጀሚሩ ናይ ሓቂ ስሕተት ኣለዎ’ሞ ኽእረምለዎ እስካብ “ሕምየት” እዩ እስካብ ዝብል ሓሳባት ዘለውዎም እዮም፡፡ ብዩኤምዲ ሚዲያ ዝወፅአ ፀብፃብ ንግልፅነት፤ ተሓታቲነትን ረብሓ ህዝቢን ማእኸል ዝገብረ ኣሰራርሓ ኣብ ፖለቲካዊ ይኹን ኣብ ኻልኦት ትካላት ንኽህሉ ግደኣ ንምፅዋት ዝዓለመ ስለዝኾነ እተን ዋና ዋና ግብረ መልሲታት ከምዝስዕብ ቀሪበን ኣለዋ፡፡

“ናይ ርኡይ ሓቂ” ፀገም ኣለዎ –  ካብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ

ብስም ኽንጠቕሶ ፈቃድ ዘይብልና ኣባል ላዕለዋይ ናይ ፖለቲካ ኣመራርሓ እቲ ናይ ዩኤምዲ ሚዲያ ፀብፃብ ናይ ርኡይ ሓቂ እርማት ኸምዘድልዮ ብምሕባር ናይተን ወሰንቲ ኣኼባታት ውሳነታት፤ ተሳተፍቲን መዓልቲ ኣኼባን ንዩኤምዲ ሚዲያ ከምዝሰዕብ ሓቢሮም ኣለዉ፡፡

ሓቋፋይ ኾይኑ ናይ ህወሓት ‘ማጆሪቲ’ ዘለዎ ምምሕዳር ኽጣየሽ ዝብል ሓሳብ ብሰነድ መልክእ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ኣብ ዘለውዎ ዝቐረበ ብማእኸላይ ኮማንድን ወታሃደራዊ ኮማንድን እዩ ነይሩ፡፡ ንመጀመሪያ ጊዚ ብጥሪ 8-10 2015 ዓም ኣብ ዝተገበረ ናይ ሓባር ኣኼባ፡፡ ሌተናል ጄነራል ፃድቃንውን ኣብ ዘለውዎ፡፡ ብዘይ ድምጺ በስምምእነት እዩ ተወሲኑ፡፡ ኣፈላላይ ኣለኒ ዝበለ ኣይነበረን፡፡

እዚ ንህወሓት ማጆሪቲ ዝህብ ድምፂ ናብ ቑጽሪ ኽትርጎም ኸሎ ካብ ሚእቲ 60 ዲዩ ወይስ ካብ ሚእቲ 51ይ  ዝብል ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ እዩ ዝርርብ ተገይርሉ፡፡ በሃሳብ ምርታዕ ስለንኸእል 51 ካብ ሚእቲ ጌርና ንውሰዶ ተባሂሉ እዩ ብዘይ ኣፋላላይ ተወሲኑ፡፡

ብዛዕባ ምጥያሽ ኮሚቴ ወዲ ወረደ (ብሌተናል ጄነራል  ታደሰ ወረደ ልምራሕ ማለት እዩ) መን መን ኣባላት ኮሚቴ ከምዝኾኑ ወታሃደራዊ ኣመራርሓን ማእኸላዊ ኮሚቴን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ናይ ጥሪ 30 2015 ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ እዩ በቲ መራሒ ኣኼባ (ብዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል) ዝቐረበ፡፡ ኣብዚ ኣኼባ ሌተናል ጄነራል ፃድቃን ኣይነበረን፡፡

ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ከም መራሒ ይቐፅል’ዶ ኣይቐፅል ዝብል ከም ኣጀንዳ ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ እስካብ ሎሚ ዓርቢ ለካቲት 17 2015 ኣይቐረበን፡፡ በህዝቢ ትግራይን ብፌደራል መንግስቲን ተቐባልነት ዘለዎ ንዓለም ማሕበረሰብ ለውጢ ኸምዝተገበረ ብዘርኢ መልክእ ሓዱሽ ገጽ ይሃሉ ዝብል ርድኢት እዩ ዘሎ፡፡ መንዩ ሓዱሽ ገጽ መንዩ  ዘይኾነ  ዳሓር እዩ ዝመፅእ፡፡

ኮሚቴ ወዲ ወረደ ናብ ስራሕ ዝኣተየ እቲ 49% ሚኢታዊ መን መን ይምልእዎ ኣብ ዝብል ንምስራሕ እዩ፡፡ እቲ 51% ብህወሓት ስለዝምላእ፡፡

ሰንበት የካቲት 12 2015 ዓም ኣብ ዝተገበረ ናይ ሓባር ኣኼባ እቲ 51% ብህወሓት ብዘተመረጹ ከምዝምላእ እቲ 49%ውን በቶም ዝውከሉ ውዳበታት ባዕሎም ይውኩልና እዮም ብዝብልዎም ክምላእ እዩ ተወሲኑ፡፡ እቲ ኣፈላላይ ዘሎ እቶም ዋና መራሒን ምክትል መራሒን ዝጣየሽ ምምሕዳር ካብቶም ውዳበታት ብዝመፅኡ ወኪላት ብዝጣየሽ ጉባኤ ምስተመረፁ ኣብቶም ካብ ውዳበኦም ተወኪሎም ንዝመፁ ኣባላት ካቢነ ብቕዓት ኣለዎም ዲዩ የብሎምን ኢሎም ናይ ምቕባልን ዘይምቕባልን መስርሕን መሰልን ይዋሓቦም ዶ ኣይወሓቦም ዝብል እዩ፡፡ ኣብቲ ናይ ሰንበት ኣኼባ ጄነራል ፃድቃን ሓዊሱ እቲ ናይ ወዲ ወረደ ኮሚቴ ዝምልከት በብዓሉ በቲ ኮሚቴውን ካብ ኣመሰራርትኡ ጀሚሩ ፀገም ዘለዎ ናይ ቕቡልነት ስእነትውን ከምዘጋጠሞ ተልኢሉ ካሊእ መስርህ ንምምፃእ ጊዜ የብላናን ተባሂሉ እስካብ ዓርቢ የካቲት 17 2015 እቲ ኮሚቴ ወዲኡ ናብቲ ናይ ሓባር ኣኼባ ከቕርብ እዩ ነይሩ እቲ ትፅቢት፡፡

“ኣብ ሕምየት እምበር ኣብ ሓቂ ዘይተመስረተ”  – ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

ብስሞምን ብቕሉዕ ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ገፆም  “እቲ ንኣመራርሓ ትግራይ ከፋፊልካ ዘቕርብካዮ ግን ካብ ምርዳእን ምዕቃንን ኣዐርዩ ዝራሓቐ፣ ኣብ ሕምየት እምበር ኣብ ሓቂ ዘይተመስረተን ዘይጠቅምን ኮይኑ ረኺበዮ። እንተዝእረም!” ዝብል ዝርከቦ ግብረ መልሲ ዝሃቡ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ዶ/ር ኪሮስ ጉዑሽ እዮም::  ምሉዕ ትሕዝቶ ፅሑፍ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ዶ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡፡

“ ናብ ፕሮፌሰር Getachew Assefa

ዕላማ እቲ ዝድለ ለውጢ :-

1. ንቲ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ህልውና፣ ደሕንነትን መሰልን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስን በቲ ናይ ዘርኢ ምፅናት ኲናት ሲዒቦም ዝመፁ ካልኦት ሽግራትን ሕቶታትን ህዝቢ ንምምላስን

2. ንናይ ቀፃሊ ጉዕዞ ዲሞክራታይዜሽንን ስሉጥ ልምዓት ባይታ ንምንፃፍን እዩ።

ኣብዙይ ኩሉ ኣብ ኣመራርሓ (ናይ ሰራዊት፣ ፖለቲካ ይኹን መንግስቲ) ዘሎ ሰብ ምንም ኣፋላላይ የብሉን። ከመይ ይመፅእ ኣብዝብል ዝተፈላለዩ ሪኢቶ ክህልው ግድን እዩ። እዙይ ከምለውጢ ምድላይን ዘይምድላይን ገይርካ ክውሰድ የብሉን። ትኽክል ኣይኮነን!

ክቡር ሓውና ፕሮፌሰር ጌታቸው ረብሓ ህዝቢ፣ ግልፅነትን ተሓታትነትን ዓምዲታት UMD ሚድያ ምዃኖም ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትገልፆም ሰሚዐ ኣለኹ። እዙይ ንምግባር እውን UMD ነገራት ምርዳእ ( Understanding) ምልካዕን (Measuring) ከምዝግባእ እውን ትገልፅ ኢኻ። Infact that is what the very UMD stands for.

እቲ ንኣመራርሓ ትግራይ ከፋፊልካ ዘቕርብካዮ ግን ካብ ምርዳእን ምዕቃንን ኣዐርዩ ዝራሓቐ፣ ኣብ ሕምየት እምበር ኣብ ሓቂ ዘይተመስረተን ዘይጠቅምን ኮይኑ ረኺበዮ። እንተዝእረም!

ከማኻ ዝበሉ ዓበይቲ ሰባት ናብቲ ሚድያ እንትኣትው ተወሳኺ ዓቕሚ እዮም ክኾኑ ዝግባእ ዝብል ናይ ግሊ ሪኢቶ ኣለኒ። ንኹሎም ብሶሻል ሚድያ ዝልቀቑ ትክክል ዘይኮኑ ሓሳባት ብግሊ እንዳተኸታተልካ ምምላስ ኣፀጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ናትካ ግን ካብኡ ንላዕሊ ክትሰርሕ ትፅቢት ስለዝገብር ክሓክፎ ዘይካኣልኩን።

ድሕሪ እዚ ግብረ መልሲ እዚ ዝስዕብ ምምልላስ ዩኤምዲ ሚዲያ ምስ ዶ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ኣብ ፌስቡክ ገይራ ዝጥዕሞም ጊዜ ኽነግርዋ ናተፀበየት ትርከብ፡፡

ንዶ/ ኪሮስ ጉዑሽ

ከም ሓደ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ UMD Media ብቕሉዕ ናብ ህዝቢ ክመሓላለፍ ንዝተገበረ ፀብፃብ ብቕሉዕ መልሲ ምሃቦም UMD Media ንዝገብሮ ዘሎ ናይ ግልፅነትን: ተሓታትነትን ኣካል ረብሓ ህዝቢ ናይ ምሕላው ንእሽተይ ፃዕሪ ገይረ ስለዝወስዶ የቐንየለይ:: እቲ ግልጽነት ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ናብቲ ሚዲያ መጺኦም ሕቶታትና ንኽምልሱ ብኣኽብሮት ይዕድሞም ኣለኹ:: እቲሕምየትዝተብሃለውን ምንእንቲ ኽነፅርዮ:: 

“ሰላም ፕሮፌሰር Getachew Assefa

ንቲ ዝቕረብካዮ ዕድመ የቐንየለይ!

ዝምልከተና ጉዳይ ናብ ህዝቢ ከነቕርብ፣ ሕቶታት ክንምልስን ግቡእና እዩ። ንእንሰርሖም ስራሕቲ መበገሲ ብምግባር ብጋዜጠኛ ጥራሕ እንተይኮኑስ ብዳኛ እውን ዘሕትቱ እንተኾይኖም ክንሕተት ግድን እዩ። ኣነ ብሓላፍነት ዝሰርሖም ስራሕቲ ንህዝቢ ከብርህን ሓላፍነት ክወስድን ፀገም የብለይን ጥራሕ እንተይኮነስ ግዴታይ ምዃኑ ኣፀቡቐ ዝፈልጥ እየ። ይትረፍ ኣብ ናይ ትግራዋይ ሚድያ ዋላ ኣብ ካሊእ እንተኾነ።

ኣብቲ ንዝርርብና መበገሲ ዝኾነ ልጥፍካ መሰረት ገይርናእከለ እንታይ በለ እከለ እንታይ መለሰ? መን ንለወጥ በለ መን ሱቕ በለ ዝዓይነቶም ሕቶታት ንምምላስ ናብ ሚድያ ምቕራብ ግን ረብሓ ኣለዎ ኢለ ኣይሓስብን። ኣሰራርሓ እውን ኣይፈቅድን። ሓፈሻዊ ኣብ ዝኾነ ጉዳያትን ንዓይ ዝምልከቱን ግን ቀሪበ ሓሳበይ ከካፍል ሕጉስ እየ።

/ ኪሮስግርም….. የቐንየለይ ነቲ ዕድመ ዝለዝተቐበልካ:: ኸምዝበልካዮ ብፍላይ ኣብ መንዩ ለውጢ ዝደሊ ዘይደሊ ኣብ ናይ ካልኦት ኣመራርሓ ዝምልከት ንዓኻ ምሕታትውን ግቡእ ኣይኾነይባዕላቶም እዮም ኽምልሱ ዝግባእ:: ኣብቱ ሜላ ግን ኽንዘራረብ ኢና:: ኣይምልስን ትብሎም ሕቶታት ኸምዘለዉ ኾይኖም ማለት እዩ:: እሞ ብታ inbox ዝገበርኩልካ ንቁዋፀር? Thanks again

ኻልኦት ግብረ መልሲታት

ዞም ዝስዕቡ ግብረ መልሲታት ኻብ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተልኣኹ ኸምዘለዉ ቐሪቦም ኣለዉ፡፡

  • ምስ ናይ መራሕቲ ኔት ወርክታት ዝተተሓሓዘ ኽመፅእ ዝኽእል ናይ ፀለመ ሓበሬታታ ካብ ፅፁይ ሓበሬታት ምፍላይ ኣድላዪ እዩ፡፡
  • ለውጢ ኽበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ ዝብል ኣይፀረየን ዋላ ነቶም ደለይቲ ለውጢ ዝባሃሉ ባዕሎም፡፡
  • ዝተገበረ ይገበር ናይ መጨረሻን ብሕታዊን መፅደቒን መውደቒን እቲ ዝምስረት ምምሕዳር ኣቢይ ኣሕመድ እንተኾይኑ ኣቢይ ኣሕመድ ኸምዚ እዩ ዝደሊ፤ ኸምዚ እዩ ዝቕበሎ፤ ብዝብል ዝምስረት ምምሕድዳር ብደለይቲ ለውጢ ይመስረት፤ ብለውጢ ዘይደልዩ ዝባሃሉ ይመራሕ ያው ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ምስለኔ ዝኾነ ምምሕዳር እዩ ዝኾን፡፡
  • ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ተባሂሎም ዝተዘርዘሩ ኣብ ወታሃደራዊ ኮማንድ ዘለዉ ሹድሽተ ኣዘዝቲን ኣብ ወታሃደራዊ ኮማንድ ዘየለዉ ዘሓወሰ እዩ፡፡ ወይ ወታሃደራዊ ኮማንድ ኣባላት ጥርሕ ምግባር ወይ ኹሎም ኣዘዘቲ ምውሳኽ ነይርዋ፡፡  ንኣብነት ብርጋዴር ጄነራል ኣብርሃ ተስፋይ በርሀ (ድንኩል)፡ ብርጋዴር ጄነራል ጉዑሽ ገብረ ኣዘዝቲ ሰራዊት እዮም ግን ኣባላት ወታሃደራዊ ኮማንድ ኣይኾኑይ፡፡  (መልሲ፡ ዩኤምዲ ሚዲያ ‘ዋና ፍልፍል’ ኢላ ካዝጸወዐቶ ፍልፍላ ብዝረኸበቶ መልዐሊ ሓበሬታ ተደሪኻ እያ ነቶም ዝተዘርዘሩ ጥራሕ ሂዛ ዝወጸት፡፡ ሕውስዋስ ስለዝኾነ እዩ’ውን “ወታሃደራዊ ኮማንድ ኣባላት” ኽንዲ ምባል ‘ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ’ ኢላ ዘውፀአቶም፡፡_
  • ካብቶም ደለይቲ ለውጢ ዝተብሃሎ ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ሓደ ኽልተ ደለዪቲ ለውጢ ለይኽኮኑ ይኸእሉ እና ዩኤምዲ ሚዲያ  መሊሳ ተረአየቶ፡
  • ናይ ማዕረግ እርምቲ ሜጀር ጄነራል ፍስሃ ኪዳኑ ( ፍስሃ ማንጁስ) ማዕረጉ ሌተናል ጄነራል እዩ ይትኣረም፡፡
  • ሌተናል ጄነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ) ለውጢ ዝምልከት ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገብሮ ኣኼባታት ይኹን ኣብ ሚዲያ ለውጢ ናይ ግድን እዩ ኢሉ እናሃለወ ኸመይ ገይሩ እዩ ከም ለውጢ ዘይደሊ ተገይሩ ቐሪቡ፡፡
  • ኻልኦት ኸምዘለናዮ ንኺድ ዝብሉ ተባሂሎም በቲ ዋና ፍልፍል ዩኤምዲ ሚዲያ ዝተጠቐሱ ኸምኒ በዓል ዶ/ር ፍስሃ ሃፍተፅዮን ዶ/ር ኢንጂነር ገብረ መስቀል ካሕሳይን ኻልኦትን ደለይቲ ለውጢ እዮም፡፡   

መጠቓለሊ

ሚዲያ ከም ሓዊ እዩ፡፡ ተጠንቒቕኻ ተተጠቒምካሉ ምግቢ ተብስለሉ ገዛኻ ተሙቖሉ፡፡ ተዘይተጠንቒቕካ ድማ ገዛኻ የቃፅለልካ፡፡ ዩኤምዲ ሚድያ ንማሕበረሰባዊ ሕላወ ኾነ ምዕባለ ግልፅነት፤ ተሓታቲነትን ረብሓ ህዝቢ ምሕላውን ወሰንቲ እዩም፤ ነዚኣቶም ድማ ፀገማት ማሕበረሰብና ኣብ ምርዳእም፤ ምዕቃንን ካብኡ ሓሊፉ ፍታሓት ኣብ ምግባርን ምንጣፍ ኣድላዩን ብሓላፊነት ክስራሕ ኣለዎ ኢላ ትኣምን፡፡

ምስ ረብሓ ህዝቢ ዝራኸቡ ብፖለቲካዊ ይኹን ብኻልኦት ኣካላት ዝውሰኑ ውሳነታት ኾነ ኣብ ምይይጣቶም ዝለዓሉ ሓሳባት ንብረትነቶም ናይ ህዝቢ እዩ ኢላ ትኣምን፡፡ እቶም ወሰንቲ ኣካላት ንባዓል ዋና ብዕሊ ኽህብዎ ተዘይደለዩ ሚዲያታት ካብ ፍልፍላተን ዝረኽብኦ ሓበሬታ ብሓላፊነት ናብ ህዝቢ ክዝርግሐኦ ግቡእን ኣድላዪን እዩ፡፡ ነዚ’ውን ኣብቲ  ኣኼባታት ዝርከቡ ተሳተፍቲ  ንረብሓ ህዝቢ ኽብሉ ምስ ብሓላፊነት ዝሰርሓ ሚዲያታት ክሰርሑ ኣለዎም፡፡ ኣብ ጊዜ ትራምፕ ካብ ዋኅይት ሓውስ ንባዓል ኒው ዮርክ ታይምስ ንዋሽንግተን ፖስት ሓበሬታት ይህቡ ኸምዝነበሩ ሰብ ስልጣናት ትራምፕ ማለት እዩ፡፡

ዩኤምዲ ሚዲያ ንዝኾነ ውድብ ይኹን ጎጅለ፤ ኔትወርክ ይኹን ውልቀሰብ ዒላማ ገይራ ትደፍአሉ፤ ትወቕዐሉ ወይ ትሓቑፈሉ ምንም ዓይነት ዓላማ ይኹን ድልየት የብላን፤ ኣይክህልያን፡፡ ብስም ውድብ፤ ብስም ጉጅለ፤ ብስም መንግስቲ፤ ብስም ትካል፤ ብስም ህዝቢ ሓቢኡ እቲ ናይ ውልቂ ሓላፊነት ከይረኣይ ገይሩ ዝፀንሐ ሱር ዝሰደደ ናይ ፖለቲካ ባህሊ ብመሰረቱ ኽቕየር ኣለዎ ዝብል ተሪር እምነት ሒዛ እያ ትንቐሳቐስ ዘላ፡፡ ንረብሓ ህዝቢ ኽበሃል ኣብ ስልጣን ዘሎን ስልጣን ንምሓዝ ዝዳሎ ዘሎ ማንኛውም ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ራዳር ብሓላፊነት ዝሰርሓ ሚድያታት ምግባር እዩ እቲ ናይ ፖለቲካ ባህሊ ለውጢ ዘምጽእ ኢላ ትኣምን ዩኤምዲ ሚዲያ፡፡  ብጅምላ ምርጋም፤ ብጅምላ ምሽላም፤ ተሓቢእኻ ‘ምስጓም’ ኽተርፍ ኣለዎ ትብል፡፡ ለውጢ ደለይቲ ዝባሓሉ ኾኑ ለውጢ ኣይደልዩን ዝባሓሉ ናብ ነፃ ሚዲያታት ቐሪቦም ሕቶታት ኽምልሱ ግዴተኦምን ሓላፊነቶምን  ምዃኑ ኽፈልጡ ይግባእ፡፡

UMD Media

View all posts