ህንፀት ብሄረ-መንግስትነት ትግራይ መድረኻዊ ሕቶ ተጋሩ

ሜ/ጀ ተኽለብርሃን ወልደኣረጋይ (ዶር)

ታሕሳስ 30፤ 2014 ዓም

ሙሉእ ፅሑፍ ከም PDF ልምንባብ 

“ናይ እዛ ፅሕፍቲ ቀንዲ ዕላማ ድማ ትኹረትን ሓይልን ኣእምሮ ተጋሩ ናብ ቀንዲ ዛዕባ ንምስሓብ ኣምበር ውዱእ ሓሳብ ንምቕራብ ኣይኮነን። እዙይ ዝበልኩሉ ምኽንያት ከዓ 1) ብሄራዊ ረብሓ ዘለዎም ጉዳያት ብዘየቋርፅ ህዝባዊ ልዝብን ስምምዕን ዝፍጠሩን ዝዓብዩን አምበር ካብ ዝኾነ ውልቀሰብ ወይ ከዓ ማእኸል ዝፈሱ ክኾኑ ኣይኽእሉን ዝብል እምነት ስለዘለኒ። 2) ኣብ ብሄራዊ ዛዕባታት ዝግበር ልዝብ ኣካል ከይዲ ህንፀት ብሄራውነት ኮይኑ ብኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት ዝምዕብል ሕልኽላኻዊ ኣምር እምበር ኣብ ዝኾነ ተጀሚሩ ዝውዳእ ቀጥታዊ ሓሳብ (Linear concept) ስለዘይኮነ እዩ።

 ካልእ ናይዚ መበገሲ ሓሳብ ኣድላይነትን እዋናውነትን ዝምልከት ሕቶ ክልዓል ይኽእል እዩ። እዚ ሕቶ ክልተ መበገሲታት ክህልውዎ ይኽእሉ እዮም። 1) ትግራይ ኣብ ናይ  ህልውና ሓደጋ ወዲቓ እናሃለወት ብዛዕባ ረብሓን ፖለቲካዊ ዕላማን ትግራይ ምልዛብ እዋናዊ ኣይኮነን ዝብል እዩ። 2) ኣብዚ ልዝብ እንተተጀሚሩ ናይ ሓሳብ ምፍልላያት ተፈጢሮም ሓድነትና ክዘርጉ እዮም ዝብል እዩ። ኣነ ዘለኒ መልሲ ድማ በዘን ዝስዕባ ምኽንያታት እዋናውነትን ኣድላይነት ናይዚ ዛዕባ ይምጉት። 1) ገጢሙና ዝኒሀ ናይ ህላወ ፈተና መበገስን መፍትሕን ምስ ህላወ ንፅረትን ትግባረን ኣብ ላዕሊ ተላዒለን ዘለዋ ሕቶታት ዝተኣሳሰር እዩ። ምኽንያቱ ትግራይ ቅድም ኢላ ብሄራዊ ርብሓኣ ነፂራ ብሄራዊ መንግስትነት ትግራይ ኣብ ምህናፅ እንተትረባረብ ነይራ በዞም ሕዚ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖምና ዘለው ሓይልታት ብቐሊሉ ኣይምተደፈረትን ነይራ። 2) ሕዚ ገጢሙና ዝኒሀ ብሄራዊ ቅልውላው ቀዲምና ዘይሰራሕናዮ ብሄረ-መንግስትነት ትግራይ ንምህናፅ ከም ዕድል ክንጥቀመሉ ስለዘኽእለና። 3) ዲሞክራሲያዊ ልዝብ ንሽርሕታት ኣፍሺሉ ሓይልን ሓድነትን ሓይልታት ትግራይ ስለዝሃንፅ እዩ።

ትሕዝቶ እዛ ሓፃር ፅሑፍ ከምዝስዕብ እዩ። ፈለማ ኣብዚ ዛዕባ ልዝብ ንኽግበር ደፋእቲ ጉዳያት ክቐርቡ እዮም። ቀፂሉ ብሄራዊ ርብሓታት ትግራይ እንታይ ይኹኑ ዝብል ጥቕሉል ሓሳባት ክስንዘሩ እዮም። ብሳልሳይ ብርኪ እንታይነትን ኣድላይነትን ህላወ ብሄራዊ ፖለቲካዊ ዕላማ ክቐርብ እዩ። ኣብ መወዳእታ ሕቶ ንፅረት ኣብ ጥቕሉል ብሄራዊ ስትራቴጂ ትግራይ ዘለኒ ራኢቶ ክውከስ እየ። “

ሙሉእ ፅሑፍ ከም PDF ልምንባብ 

Editor’s Disclaimer:
The views and opinions expressed in articles published by UMD Media are those of the authors and do not necessarily reflect the official position or editorial stance of UMD Media. Publication does not imply endorsement.

Call for Contributions:
UMD Media welcomes contributions from readers, including opinion pieces, articles, rejoinders, and critical analyses in Tigrigna, Amharic or English. We encourage diverse perspectives and thoughtful engagement on the issues that matter. Submissions can be sent to our editorial team for review. While we may not publish every submission, we are committed to fostering open dialogue and informed public discourse.

Subscribe to our multilingual YouTube channel at youtube.com/UMDMedia 

Scroll to Top