ኤርትራ ወግዒዊት ናይ ተጋሩ ዓብላሊትን ኣሃዳዊትን ሃገር ክትከውን ኣለዋ!

ኣማኑኤል ገብረመስቀል ገብረስላሴ ፤ መቐለ

26 September 2025

 

መእተዊ: ደጊምካ ነቲ ሕቶ ምቅናይ

በቢ እዋኑ ኣብ ዝቀያየር ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብዛዕባ መጻኢ ፖለቲካዊ ዕድል ኤርትራ ዘይምዝታይ ኣይከኣልን። ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ  እቲ ቀዳማይ ሃገራዊ ረብሓ ብምባል ኣካል ዘቤታዊ ዕዮ ፕሮፖጋንዳ ካብ እትገብሮ ንነዘ፣ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ኤርትራ ምዝርራብ ልሙድ ኰይኑ ይርከብ። እቲ ልዝብ ብቐንዱ ካብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ድፍኢታት ኢትዮጵያ ማለት እውን “ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ኣብ እትገብሮ ኲናት፣ ትግራይ እንታይ ትግበር?” ካብ ዝብል ሻቕሎት ዝመጽአ ደኣ እምበር፣ ብትኽክል ኣብ ረብሓ ትግራይ መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን። ዛዕባ መጻኢ ዕድል ኤርትራ፣ ንትግራይ ግዳማዊ ጉዳይ ዘይኮነስ ውሽጣዊን ህልውናኣዊን ጉዳይ እናሃለወ ክንሱ እቲ ልዝብ ብኸምዚ ዓይነት ምዃኑ ኣዝዩ መደንጸዊ እዩ።

እምበኣር እዚ ጽሑፍ እዚ፣ ጉዳያት ዘላቒ ሰላም ኤርትራን ህልውናዊ ቀጻልነት ትግራይን ተጠቅሊሉ ብሓደ ፍታሕ ዝእለይ ምዃኑ ንምምልካት እዩ። ንሱ ኸኣ እዛ ናይ ሐዚ ሃገረ ኤርትራ፣ ወግዓዊት ናይ ተጋሩ ዓብላሊትን ኣሃዳዊትን ሃገር ክትከውን ኣለዋ ዝብል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ኣፈታትሓ፣ ነቲ ጂኦግራፍያዊ፣ ደሞግራፍያዊ፣ ከምኡውን ቁጠባዊ ጸገማት ናይቲ ከባቢ ዝፈትሕ እንትኸውን። እዚ ብተፈጥርኡ ዘይስማዕማዕ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሰላምን ምዕባለ ንምብጻሕ ዝሕግዝ ኣገባብ ኣፈታትሓ እዩ።

ዛዕባ መጻኢ ኤርትራ ንምንታይ ዘቤታዊ ሕቶ ትግራይ ከይኑ?

ምፍልላይ ኤርትራን ትግራይን ካብ ጉዳይ ስልጣነ ንላዕሊ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ። ኣብዚ ክልተ ዜግነት ዘለዎ ሓደ ህዝቢ ዘሎ ሓደ ቋንቋ፣ ዓብላሊ ባህላውን ታሪኻዊን ምትእስሳር ነቲ ኣብ ልዕሊ ዶባት ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ “ውሽጣዊ እዩ ዶ ወይስ ወጻኢ ዛዕባ እዩ” ንዘብል ስኑዕ ሓድጊ መግዛእቲ ጥልያን ኣቢሲኒያ ዝኾነ ፖለቲካዊ መስመር ዝድምስስ እዩ። ናይ መጻኢ ኣንፈት ምሕዋረ ፖለቲካ ኤርትራ፣ ንትግራይ ብቘጠባዊ፣ ጸጥታዊ፣ ከምኡ’ውን ባህላዊ ህልውና ብቐጥታ ይጸልው።

ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ብመሬት ዝተኸበበትን ኣፍ ደገ ባሕሪ ዝተስኣነትን በቲ ሓድጊ መግዛእቲ ጥልያን ዝኾነ ስነ ሓሳብ ኤርትራውነት እዩ። በዚ ምኽንያት እውን ትግራይ ኣብ መዋቕራዊ ጸገም ኢትዮጵያ ተቐርቂራ ትርከብ። ብዘይ ውሑስ ኣፍ ደገ ባሕሪ ን ንግድን ሎጂስቲክስን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ክትምርኮስ ተገዲዳ። እዚ ግዳማዊ ምርኮሳ ድማ ቁጠባዊ ብርታዐን ፖለቲካዊ ናጽነትን ኣስኢንዋ። በዚ ድምር ምኽንያት ኸኣ፣ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ንትግራይ ስትራተጂካዊ ረብሓ ጥራይ ዘይኮነስ፣ መተንፈሲ ህይወት እውን እዩ ክበሃል ይከኣል።

መጻኢ ዕድል ኤርትራ ከም ናይ ወጻኢ ወጻኢ ወይ ካልኣይ ጕዳይ ጌርካ ምርኣይ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ጭቡጥ ሓቂ ምኽሓድ እዩ። ንትግራይ፣ ኤርትራ ብ ርሑቕ እትርአ ጎበረቤት ሃገር ዘይኮነትስ፣ ከም ብሔር ህልው ኰንካ ንምቕጻል እተድሊ ወሳኒት ረቛሒት እያ።

ድኽመት ኣጀንዳ ቀይሕ ባሕሪ ኢትዮጵያ

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተፈላለዩ ልሂቃን ኢትዮጵያ፣ “ኢትዮጵያ ከም ሕጋዊ ተዋሳኢት ቀይሕ ባሕሪ” ዝገብር መግለጺ ኣብ ምቕራብ ይርከቡ። እዚ ዛንታ ምስ ሰፊሕ ተረኽ ሃገራውነት ኢትዮጵያ ዝሰማማዕ እዩ። መሰረታዊ ጸገም ትግራይ ንምፍታሕ ግን ዋላ ሓደ ኣበርክቶ ኣይብሉን። ብተወሳኺ ድማ፣ ትግራይ ብሕጋውን ታሪኻውን ምኽንያት ቀንዲ ተዋሳኢትን ተረባሒትን ምዃና ኣብ ክንዲ ዝግንዘብ፤ ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ባህጊ ኢትዮጵያ ከም መከላኸሊን መካን ዓውደ ኲናት ንኽትከውን ጥራይ ዝሓሪ እዩ።

ምምርኳስ ኣብ ኣጀንዳ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ንትግራይ ናብ ወሰን ዝገብር ጥራይ ዘይኰነስ ንምድምሳስ ዘቃልዓን እዩ። ፖሊሲታት ኣዲስ ኣበባ ንትግራይ ንምምዕባል ዝተነድፉ ኣይኮኑን። እኳ ድኣስ ንማእከላይ ቦታ ኢትዮጵያ ንምሕያል ዝተማሃዙ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፣ ትግራይ መሰረታዊ ጸገም ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምፍታሕ ኣብ ስትራተጂታት ኢትዮጵያ ክትምርኮ ኣይግበኣን። የግዳስ ኣብ ውሽጣዊ ረብሓታታ ዝተሰረተ ናጻ ራእይ ክተማዕብል የድሊ።

ሓሳብ ሓንቲ ወግዓዊት ኣሃዳዊትን ሃገር ትግርኛ

ኤርትራ ናብ ወግዓዊት፣ ኣሃዳዊት፣ ዓብላሊት ሃገረ መንግስቲ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ምቕያር ሕልማዊ ሓሳብ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነባርን ኣድላይን ፍታሕ እዩ። ካብ ‘ቶም ነዚ መፍትሒ ሓሳብ ዘጉልሕዎ ገለ ነገራት ድማ፦

  • ደሞግራፊ፦ኣብኤርትራ ህዝቢ ትግርኛ እቲእንኮ ወደባትን፣ ኣዝዩ ልዑል ዓብላልነት ዘለዎንእንኮብሔርንእዩ።እዚ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ትግርኛ ትግራይ እንትወሃድ ከዓ ዝለዓለ ዓቕሚ ደሞጋራፊ ይውንን። እዚወግዓዊ ሕጋዊፖለቲካዊቅርጺ፣ ኣብ ትግራይ ኰነ ኣብ ኤርትራ ንጹር ፖለቲካዊ ምሕደራንሰላምንይፈጥር።
  • ጂኦግራፊ፦ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ብመሬት ተኸቢባ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘይ ንሕስያ ንጽልቲ ብምዃናቁጠባዊን ሎጂስቲካዊን ጸገማታ ክትፈትሕ ኣይከኣለትን። ኣብ ውሽጢ ዘፍረየቶም ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ከም ድላያ ምስ ዓለም ክትቀያየርን ክትነግድን ኣይከኣለትን። በዚ ምኽንያት ከዓ ምስቀይሕ ባሕሪምትእስሳርየድልያ።ሓደዝተዋሃደመዋቕር ጂኦግራፊንኹሎምወገናት ትግርኛ፣ ካብዘዳኽም ሓድጊ መግዛእቲ ጥልያንን ኢትዮጵያንየድሕን።
  • ባህላዊቀጻልነት፦መንነት፣ቋንቋንባህላዊ ትሕዝቶትግርኛተኸፋፊሉ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ክህልው ዋላ እንተኸኣለ፣ ብሰንኪ ናብ ክልተ መግዛእቲ ምክፋሉ ክዳኸም ኪኢሉ። እቲ ሕሉፍ ስልጣነኡ ከማዕቅብስ ይትረፍ ምስ እዋናዊ ምዕባለታት ዓለም ተመዓራርዩ ክርከብ ኣይከኣለን። ሓንቲ ወግዓዊት ኣሃዳዊት ዓብላሊት ሃገረ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ምስትህሉ፣ንባህላዊምዕባለሓጋዚኩነታትትፈጥር።
  • ጸጥታ፦ኣብውሽጢኢትዮጵያ፣ትግራይብፖለቲካዊምምሕዳርንብብሄራዊጽልእንዝተጠቕዐት፣ ብደሞግራፊ ዝነኣሰትብሄርእያ።ምስቲኣብኤርተራዝርከብዓብላሊ ህዝቢትግርኛብምውሃድደሞግራፊያዊክብደትንጂኦፖለቲካዊጸጥታንትረክብ።

እዚ ሞዴል ሓሳብ ንኣናእሽተይ እንዳታትን ቀቢላታትን ኤርትራ ንምጥፋእ ኣይሓስብን። የግዳስ ኣብቲ ብተፈጥሮ ወደባት ዝኾነ፣ብኲለመዳይ ዓብላሊ ምሕደራ ህዝቢ ትግርኛ፣ መሰል ውሑዳን ተኸቢሩ ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ትግራይ ዘላቒ ሰላምን ምዕባለን ንኽፍጠር መስማዕመዓይ ሓሳብ ዘሰጉም እዩ።

ብመዳይ ስትራቴጂን ቁጠባን

ኤርትራ ሃገረ ተጋሩ ካብ ምግባር ዝርከቡ ረብሓታት ትግራይ ካብ ፖለቲካዊ መንነት ንላዕሊ፣ ጭቡጥ ቁጠባዊን ስትራተጂካዊን ረብሓታት ዝሓዙ እዩም። ንምዝርዛር ዝኣክል፦

  • ኣፍደገ ንግዲ ባሕሪኣብ ኤርትራ ብእትቐውም ወግዓዊት ናይ ተጋሩ ዓብላሊትን ኣሃዳዊትን ሃገር መንግስቲ፣ ሳላ እቲ ንዘመናት ዝተሃነጸ ሃገራዊ መንነት ትግርኛ፣ ትግራይ ኩሉ ግዘ ብምሉእ ሉኡላዊ ናጽነት ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንኽትበጽሕ ተኽእሎ ትረክብ። በዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዘለዋ ምትእስሳር ተወግድ። ቁጽራን መንነታዊ ደረጀኣን ካብ ዘውርድን ዘውሕድን ፖለቲካውን ቁጠባዊ ስርዓት ትናገፍ።
  • ቁጠባዊ ልምዓት በቲ ኣብ ኤርትራ ዝጣየሽ ናይ ትግርኛ ፖለቲካል ኢኮኖሚ፣ ትግራይ  ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብቀሊሉ ምጥቃም ኪኢላ ማለት፣ ብወደባት ኣቢልካ ዝስርሑ ከም ሃብቲ ዓሳን፣ ምቕሉልን ስሉጥን ሎጂስቲካዊ መራኽቦ ተጠቒማ ልዑል ዓቕሚ ንግዲ ባሕሪ እያ ትውንን። እዚ ዓቕሚ ንግዲ ባሕሪ ንሃገራዊ ዕብየትን፣ ምስ ዓለማዊ ንግዲ፣ ባህሊን ቴክኖሎጂካዊ ምዕባለን ንኽትተኣሳሰር ይድግፋ።
  • ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ሃገራዊ መንነት ትግርኛ ንመእተዊ ቀይሕ ባሕሪ ምቁጽጻር ኪኢሉ ማለት፣ ትግራይ ናብ ዞባዊ ተዋሳኢት እዩ ዘዕባይ። ኣላይት ሚዛን ፖለቲካውን ጸጥታውን ምዕሪት ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪካን እዩ ዝገብራ። በቲ ዝፍጠር ጂኦግራፍያውን ዲሞጋራፍያዊ ምትእስሳር ልዑል ዓቕሚ ቁጠባን፣ ምሉእ ጂኦስትራቴጂክ ኣቀማምጣን እዩ ዘጓናጽፋ። በዚ ረብሓ እዚ ከዓ ሃገራዊ ዘላቕነታን፣ ዓለማዊ ጸላውነታት ተውሕስ። 
  • ባህላዊ ወፍሪትግራይ ምስ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብቐጥታ ዝተኣሳሰረ ቁጠባዊ ዓቕሚን ትብዓትን እንድሕር ወናኒት ኰይና፣ ኣብ ትምህርቲ፣ ስነ-ጥበብ፣ ባህላዊ ትካላትን ወፍሪ ንምግባር ዕድል ትፈጥር። በዚ ድማ ንነዊሕ እዋን ዝጸንዕ መንነት ትግራውነት ይህልው ማለት እዩ።

ብሓጺሩ፣ ትግራይን ኤርትራን ብጂኦግራፍን ብ ሓደ ዓብላሊ ዲሞግራፊያዊ ጥርናፈ ኩለመዳያዊ ምሕደራ ፈጢረን ማለት ካብቲ በቢ ውልቀአን ከፈጥረኦ ዝኽእላ ዘላቒ ሰላምን፣ ውሑስ ምዕባለን ንላዕሊ እዩ።

ብዛዕባ  ክቐርብ ዝኽእል ዕንቅፋት

ኤርትራ ወግዓዊት ናይ ተጋሩ ዓብላሊትን ኣሃዳዊትን ሃገር ክትከውን፣ ንዝብል ሓሳብ ዘተዓናቕፉ ብዙሓት በዳህቲ ነገራት ኣለዉ። እተን ዝተለመዳ ስግኣታት ብዛዕባ ብዙሕነትን “ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን”፣ ዞባዊ ርግዓት፣ ከባብያዊ ግርጭታት ዝምልከታ እየን።

  • ብዛዕባ ብዙሕነትን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን፦ ኣብ ኤርትራ ሓደ ዓብላልን ዋንነትን ብሔር ትግርኛ ዝተሰረተ ሃገረ መንግስቲ ምቋም ዝብል ሓሳብ ንብዙሕነት ኤርትራ ዘዳኽም፣ ደሕንነትን ቀጻልነትን ኣናእሽቱ እንዳታትን ቀቢላታትን ኤርትራ ኣብ ግምት ዘየእተወ ጨፍላቒ ሓሳብ ክበሃል ይኸውን። እንተኾነ ግና፣ እቲ ናይ ሕጂ ስርዓት “ትሽዓተ ብሄራት ኤርትራ” ሓደ ዝተረጋግአ ብዙሕነት ብሔራት ዝሓቖፈ ቅርጺ ምሕደራን ቁጠባን ክፈጥር ኣይከኣለን። የግዳስ እቲ ንዘመናት ኣብ ብርኪ ብሔር በጺሑ፣ ቁጠባ ንግዲ ባሕርን ዓለምለኻዊ ጽልዋ ፈጢሩ ንዝነበረ ህዝቢ ትግርኛ፣ ከጽንትን ከጥፍእን እዩ ተራእዩ። ናይዚ ተግባር ተመላላኢ እውን፣ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ብመሬት ተኸቢባ ብዘይ ንሕስያ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ተነጺላ ክትተርፍ፣ ንኩለመዳያዊ ቅልውላው ጸኒታ ንኽትጠፍእ ንዝሓለፉ ሰላሳ ዓማውቲ እናሰርሐሉ መጺኡ እዩ። ፖለቲካዊ ምምሕዳር ኤርትራ ኣብቲ ዝበዝሐን በዓል ዋናን ዝኾነ ህዝቢ ትግርኛ ብምምስራት፣ ሓንቲ ብሄራዊት ሃገር ትግሪኛ፣ ንመሰላት ኣናእሽቱ እንዳን ቀቢላን ብቑዕ ዕቝባ ብምሃብ ምርግጋዕ ክትፈጥር ትኽእል እያ።
  • ብዛዕባ ዞባዊ ርግዓት ተቓወምቲ፣ ነዚ ሓሳብ ርግዓት እዚ ዞባ ዘናውጽን ህውከት ዝፈጥርን ምባሎም ኣይተርፍን። ኣብ ግብሪ ግን ስእነት ምርግጋዕ ናይዚ ዞባ፣ በቲ ዘይተፈጥራውን ሓድጊ መግዛእቲ ጥልያንን ምኒሊካዊት ኢትዮጵያን ዝተፈጠሩ ዘይቃደዉ ምምሕዳራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ እዩ። እዚ ሓሳብ ብዛዕባ ኣንፈት መጻኢ ኤርትራ፣ ግሉጽን ንነዊሕ እዋን ዝጸንዕ ምርግጋዕ ከምጽእ ዝኽእል እዩ።
  • ብዛዕባ ሓደጋ ግርጭት ዝኾነ ይኹን ዓቢዪ ፖለቲካዊ ምትዕርራይ ብሓደጋታት ዝተሰነየ እዩ። እንተኾነ ግና፣ ኤርትራ ወግዓዊት ናይ ተጋሩ ዓብላሊትን ኣሃዳዊትን ሃገር ምግባር ካብ ዝፈጥሮ ግርጭት ንላዕሊ፤ እቶም ኣብ ቅድሜና ዝተሰርዑ ብዛዕባ መጻኢ ኤርትራ ዘይተፈትሑ ሕቶታት ዝዓበዩ ሓደጋታት ይፈጥሩ። እዞም ሓደጋታት እዚኦም ንትግራይ ኣዝዮም እዮም ዝጸልውዋ። ኣብ ኤርትራ ምስ ትግራይ ዝመላላእ፣ ሓደ ዝተወሃሃደ ዓብላሊ ሃገራዊ ቅርጺ ምሕደራ ምህላዉ፣ ንትግራይ ካብቲ ኣጋጢምዋ ዘሎ ቅልውላው፣ ንነዊሕ ዝጸንዕ መፍትሒ መንገዲ ይፈጥር።

መደምደምታ፦ ኣገዳሲ ስትራተጂ

ኣብ ትግራይ፣ እቲ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ዝግበር ክትዕ ካብ ዘቤታዊ ፕሮፓጋንዳን ወጻኢ ፖሊሲታትን ኢትዮጵያ ሓሊፉ ክኸይድ ኣለዎ። ንትግራይ፣ ዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ካብ ህልውናኣ ፈጺሙ ክፈላ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኸኣ ከም ጉዳይ ውሽጣዊ ፖሊሲ እምበር ከም ወጻኢ ርክባት ክውሰድ የብሉን።

እቲ ዝበለጸን ዝሰርሕን ፍታሕ፣ ኤርትራ ናብ ወግዓዊት ናይ ተጋሩ ዓብላሊትን ኣሃዳዊትን ሃገር መንግስቲ ምቕያር እዩ። እዚ ኣገባብ እዚ ንጂኦግራፊ፣ ንስነ-ህዝብን ባህልን ዘሰማምዕ ኮይኑ፣ ንኤርትራን ትግራይን ከኣ ቁጠባዊ ናጽነትን ዘላቒ ጸጥታን የረጋግጽ። ኲናትን ዘይምርግጋእ ኣብ ዝዓመቖሉ ቦታ ንጽረ ክፈጥርን፣ ምምቕቓል ዝፈጠሮ ህልቂትን ዕንክሊልን፣ ብጂኦግራፍያውን ዲሞግራፍያውን ምትእስሳር ምዕባለንብምብትታን ድሉይ ምፍጣር ኣብ ዝመጸሉ ቦታ ድማ ንብልጽግና ምቹእ ኩነታት ንኽፍጠር ይሕግዝ።

ስለዚ እቲ “ኤርትራ እንታይ ክትከውን ኣለዋ?” ዝብል ሕቶ ንጹርን ርጉጽን መልሲ ኣለዎ። ኤርትራ ወግዓዊት ናይ ትግርኛ ተዛረብቲ ዓብላሊትን ኣሃዳዊትን ሃገር ክትከውን ዝብል ሓሳብ ቅቡል ክኸውንን ክስረሐሉን ይግባእ። እዚ ሓሳብ ኣብ ላዕሊ ዝድዕነን ዘይኮነስ፤ ተፈጥሮኣዊን ፍልቀታውን ከይዲ ዕቤት ስነ-ህዝባውን ባህላውን ሓቅታት ዝሓዘ እዩ። ንትግራይ፣ እዚ ምርጫ ዘይኮነስ ግድነት እዩ።

ንዝበለጸ ሓበሬታ ብ ቪድዮ፣ ብመልክዕ ቃለ መሕተት ኣብ ሕንቅሊተይ ትዩብ ዝሃብክዎ ትሕዝቶ ሓሳብ ምርኣይ ይኽእሉ እዮም። 

Editor’s Disclaimer:
The views and opinions expressed in articles published by UMD Media are those of the authors and do not necessarily reflect the official position or editorial stance of UMD Media. Publication does not imply endorsement.

Call for Contributions:
UMD Media welcomes contributions from readers, including opinion pieces, articles, rejoinders, and critical analyses in Tigrigna, Amharic or English. We encourage diverse perspectives and thoughtful engagement on the issues that matter. Submissions can be sent to our editorial team for review. While we may not publish every submission, we are committed to fostering open dialogue and informed public discourse.

Subscribe to our multilingual YouTube channel at youtube.com/UMDMedia 

1 thought on “ኤርትራ ወግዒዊት ናይ ተጋሩ ዓብላሊትን ኣሃዳዊትን ሃገር ክትከውን ኣለዋ!”

Comments are closed.

Scroll to Top