ሚያዝያ 2016 ዓ/ም መቐለ

ትሕዝቶ

I. ገምጋም ኩነታት ትግራይ ብኣንፃር ህልውና! 3

1.1. ብሄራዊ ህልውና ኣብ ሓደጋ ዝወድቐሉ መድረኽ! 3

1.1.1. ኣብ ዘየቋርፅ ናይ ህልውና ፈተና ዝመፀ ህዝቢ! 3

1.1.2. 21 ክፍለ ዘመን ብብርኪ ፅንተት ዝተገለፀ ሓደጋ ህልውና. 4

1.2. ሓደጋ ህልውናን ሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስን ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገፅ ዝኾነሉ መድረኽ! 6

1.2.1. እንታይነትን ሓደጋን ፅግዕተኝነት! (ካብ መስመር ልምዓታዊ ዴሞከራሲ) 6

1.2.2. ተግባራዊ ምትእስሳር ሓደጋ ህልውናን ፅግዕተኛነትን (ህያው መስመር) 11

II. ሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስ ኣብ ኣመራርሓናን ውድብናን! 12

2.1. እንታይነት ‘ቲ ምብስባስን ምንጪታቱን. 12

2.2. ትሕዝቶ ፅግዕተኛ ምብስባስ ኣብ ውሽጢ ኣመራርሓ! 23

2.2.1. ንጥልመትን ምሽርሻርን መስመርና ዘቃለዐ ፅግዕተኛ ምብስባስ. 23

2.2.2. ስልጣንን ግዕዝይናን ቁልፊ ትሕዝቶ ፅግዕተኛ ምብስባስ! 26

2.2.3. ፀረ-ዲሞክራሲ መሰረታዊ ትሕዝቶ ፅግዕተኛ ምብስባስ! 29

2.2.4. ከባቢያውነት ሓደገኛ መሳርሒ ፅግዕተኛ ምብስባስ! 30

2.2.5. ህዝበኝነት (Populism) መሳርሒ ፅግዕተኛ ምብስባስ! 31

2.2.6. መደምደምታ.. 31

መበገሲ ሓሳባትን ገምጋም ሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስን ኣመራርሓና

I. ገምጋም ኩነታት ትግራይ ብኣንፃር ህልውና!

1.1. ብሄራዊ ህልውና ኣብ ሓደጋ ዝወድቐሉ መድረኽ!

1.1.1. ኣብ ዘየቋርፅ ናይ ህልውና ፈተና ዝመፀ ህዝቢ!

ኩነታት ትግራይ ኣልዒልካ ንምግምጋም እንካብ ናይቶም ፀገማት ምብዛሕ ብዝብገስ ነየናይ ገዲፍካ

ነየናይ ከምእተልዕል ዘፅግም እዋን ‘ዩ። ስለዝኾነ እቲ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ንምግምጋምን ህዝባዊን ብሄራዊን

መፍትሒ ሒዝካ ሰይርካ ንምውፃእን እንካብ ዝተላመደ ብዝተፈለየ ከም ትግራይ ኣጋጢሙ ዝኒሀ ፀገም

ብጋህዲ ንምምይያጥን ንምውሳንን ብዘኽእለና፤ ነቶም ፀገማት ኣብ ቡዙሕ በቲና እንተይኮነ “ቲ ክውን ሓቂ

ብዝገልፅ ምቕማጡ ጉቡእ ይኸውን። ነቲ ኹሉ ኹነታት ትግራይን ብሄርናን ጠርኒፉ ዝገልፆ ድማ እንካብ

ነዊሕ ምሳና ዝተጓዕዘ ሕዚ ድማ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ዝበፅሕ ዘሎ ሓደጋ ህልውና ‘ዩ። ኩነታት ትግራይ

ካብዚ ወፃኢ ብኻሊእ ክግለፅ ኣይኽእልን። ናይ መወዳእታ ዝግለፀሉ መድረኽ ስለዝበፃሕና።

ዝኾነ ሕ/ሰብ ኣብ ዘጋጥሞ ናይ ህልውና ፈተና ካብ ክልተ ኣንፈታት ዝምንጩ “ዩ። ውሽጣዊን

ደጋዊን (ግዳም) ዩ። ክልቲኦም ከከም ኩነታት ብተናፀል ወይ ብሓባር ክኽሰቱ ይኽእሉ። ካብ ውሽጢ

ዝመፅእ ናይ ህልውና ፈተና ከምቲ ሹሙ ዝሕብሮ ዘሎ ናይ ደገ ሓይሊ ዘይፈጠሮ ብቐንዱ እንካብ ውሽጢ

ብዝፍጠር ድኽምታት ኮይኑ ካብ’ዚ ውን ዋና ምንጪ ሓደጋ ህልውና ንናይ ህዝቢ ፀገማት ትኽክለኛ

መፍትሒ ዘይብሉ ስእነት ኣመራርሓ ኮይኑ ዚ ድማ በቢእዋኑ ዝህሉ ኣመራርሓ ወይ ደርባዊ ቦትኡ እናቐየረ

ገዛኢ ሓይሊ ኮይኑ “ሞ ወራሪ ናይ ህዝቢ ሃፍቲ ኮይኑ ወይድማ ንህዝቢ ውግንንኡ ደሓን ኮይኑ ግን ኣብ

ፕሮግራም፣ ስትራተጂታትን ስልቲታትን ነንመድረኹ ብዝምጥን ትኽኽለኛ ሓሳብ ምሓዝ እንትሰኣኖ “ሞ

ውድባዊ ዓቕሚ ምፍጣር እንትኣብዮ፣ ወይ’ውን ናይ ክልቲኡ ድኽመት ሓንፈፅ እንትፍጠር ቡቑዕ

ስትራተጂካዊ ኣመራርሓ ብዘይምሃብ ናይ ህዝቢ ጥሙርን ፖለቲካዊ ሓድነትን ዓቕሚ ኣዳኺሙ ብቐሊሉ

ንናይ ደገ መጥቃዕቲ ዝቃለዐሉ፣ ስለዚ ድማ ንናይ ህልውና ፈተና ወሳናይ ምኽንያት ዝኾነሉ፤ እንካብ ደገ

ዝመፅእ ናይ ህልውና ፈተና ሓደ ህዝቢ ብሓይሊ ወይ ድማ ብዝተፈላለዩ ሽርሕታትን መጥቃዕቲታትን

ንምጥፋእ ወይ ድማ ንምድኻም ዝግበር ኩለ-መዳያዊ ምንቅስቓስ ሓይሊታት ደገ ‘ዩ። ካብ’ዚ ዝመፅእ ናይ

ህልውና ሓደጋ ብዓብይኡ ናይ ውሽጢ ድኽመትን ብፍላይ ድማ ስትራተጂያዊ ድኽመት ኣመራርሓን

እንትጣመር ዝላዓለ ጉድኣት ዘብፅሕ ይኾን። በዚ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ መድረኽ ገጢምዎ ዘሎ ናይ

ህልውና ፈተና ክልቲኡ ኹነታት ዘማልአ ሓደጋ እዩ። ናይ ውሽጥና ንሓደጋ ተቓላዓይነት ኣብ ኣጠቓላሊ

1

ሊሂቅ ትግራይ ብፍላይ ድማ ብስትራተጂካዊ ውድቀት ኣመራርሓ ህወሓት ዝተፈጠረ ድኽመት ኩለ-መዳይ

ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ተዳኺሙ ናይ ደገን ውሽጥን ሓይሊታት ምድሕርሓር ዝላዓለ ዕድል ረኺቦም ብኹሉ

ገፅ ተዋዲዶም ህዝቢ ትግራይ ብዝኸፍአ ዘጥቅዕሉ መድረኽ ኾይኑ ኣሎ። ብምዃኑ ውን ኣብ ታሪኽ ህዝቢ

ትግራይ ክልቲኡ ምንጪ (ደጋውን ውሽጣውን) እቲ ሓደ ካብቲ ካሊእ ብዘይንኣኣስ ግን ድማ ብቐንዱ

ብናይ ውሽጥና ድኽመታት ሓደጋ ብሄራዊ ህልውና ዘጋጠመሉ መድረኽ ኮይኑ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ንድሕሪት ብሽሕ ዓመታት ኣብ ዝነበሮ ጉዕዞ ዝነበሩ ናይ ህልውና ፈተናታት ከምዘለው

ወሲድና እንካብ መፋርቕ 19″ ከፍለ ዘመን ሕሉፍ 150 ዓመታት እኳ እንተሪኢና ብውሽጢ ድኽመትን

ነዚ ዝተበለፀ ናይ ደገ ሓይሊታት ካብ ዘበነ ውቤ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ደርጊ ዓሳ ንምጥፋእ ነቲ ባሕሪ ኣድርቕ

ዝብል ናይ ህልውና ፈተናታት ዝገጠሞ ህዝቢ ‘ዩ። እንካብ መፋርቕን መወዳእታን 19 ክፍለ ዘመን ካብቲ

መወዳእታ ሓምሳታት ጀሚሩ ን40 ዓመት ዝኣክል ናይ 10′ ዓመት’ኳ ትንፋስ ብዘይነበሮ ብጣዕሚ ፅዑቓት

ከበድቲ ኩናታት ምስ ናይ ደገ ናይ ኣምሓራ መሳፍንቲ፣ ጣልያን፣ ማህዲስት (ሱዳን)፣ ግብፂ፣ ሰራዊት

ሃፀይ ሚኒሊክ (ካብ 100 ሽሕ ንላዕሊ ድርጎኛ ሰራዊት)። ኣብ ፈለማታት 20 ክፍለ ዘመን ተኸታተልቲ

✓ ውግኣት ጥልያንን ሃፀይ ሃይለስላሴ ወራርን ተኸታተልቲ ድርቂን ጥሜትን። ኣብ መፋርቕን መወዳእታን 20

ክፍለ ዘመን ብተመሳሳሊ ኵናት፣ ድርቂን ጥሜትን ከቢድ ማህሰይቲ ኣብፂሖም። ንህልውና ዝፈታተኑ ናይ

ደገን ውሽጥን ዝተዋደዱ ሓደጋታት፤ ዳርጋ ኩሎም ሓደጋ ህልውና ኮይኖም ዝተኸሰቱ ፍፃመታት ዮም።

ማእኸላይ መንግስቲ ተፈጢሩ ኢትዮጵያ እትባሃል ሃገር ካብ እትምስረት ንነዘ ምስቲ ፀረ-ህዝቢ

ስርዓት ብዝተኣሳሰሩ ህልውና ዝፈታተኑ ኵናት ድርቂ፣ ጥሜትን ሕማማትን ኣብ’ዚ ዘመን ንምግላፁ ዘፀግም

ብሄራዊ መንነት ህዝቢ ትግራይ ዘጥፍእ መጥቃዕቲ፣ ልክዕ በዚ ደረጃ ‘ዚ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ዘስካሕክሕ

ምዝመዛ ዝተፈፀመሉ ስለዚ ድማ ብሄራዊ ዕብለላን ድኽነትን ድሕረትን፣ ነዚ ዘውግድ ናይ ኣመራርሓ

ስእነትን ተዋዲዶም ፈተና ብሄራዊ ህልውና ኮይኑ መፂኡ እዩ። ድሕሪ 1983 ዓ/ም ናይ ህልውና ሓደጋ

ንምምካት ዘኽእል ሓዱሽ ትንሳኤን ቡቑዕ ኣመራርሓን ተረኺቡ ዝተጀመረ ጉዕዞ በቲ ሓደ ገፅ ናይ ትንሳኤን

ድሕንነትን በቲ ኻሊእ ገፅ ድማ ገና እንካብ ምፍርኳት ዘይሰገረ ድኽነትን ድሕረትን ኣብ’ዚ ዝተመስረተ

ናይ ኣመራርሓ ሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስን ማሳማሳ ተጓዒዞም ምሸት ንምሸቱ ብባዕሉ ነዚ ጉዕዞ ይመርሕ

ዝነበረ ውድብ ኣመራርሓ በስቢሱ ስትራተጂያዊ ውድቀት ገጢሙ ህዝቢ ትግራይ ተመሊሱ ብሓደሽቲ ናይ

ጥፍኣት ሓይሊታት ብፅንተት (ጆኖሳይድ) ዝግለፅ ሓደጋ ህልውና ኣብ ፈለማ 21 ክፍለ ዘመን ዝገጠሞ ህዝቢ

ኮይኑ “ሎ።

1.1.2. 21 ክፍለ ዘመን ብብርኪ ፅንተት ዝተገለፀ ሓደጋ ህልውና

(እንካብ ምድረ ገፅ ክነጥፈአኩም ኢና) (We Will Erase You from The land

2

እዚ ናይ ሕዚ ናይ ህልውና ፈተና ጫፍ ዝበፅሐሉ ብርኪ “ዩ። ብመንገዲ ፅግዕተኛ ምብስባስ ናብ

ገዛኢ ደርቢ ዝተቐየረ ሓይሊ ነቲ ብሄራዊ መንነቱ ኣሕሊፉ ዘይህብ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ እንካብ ምድረ

ገፅ ንምጥፋእ እዩ ተሰሪሑ። ሕዚ እውን ዝቕፅል ዘሎ። ኣብ’ዚ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ዕንተት (ጆኖሳይድ)

ናይ ህልውና ፈተና ውሽጣዊን ደጋዊን ድኽመትን ወራርን ናይ ውሽጥና ንሓደጋ ተቓላዓይነት ብምስፍሑ

ዕድል ረኾቦም ብሓይሊታት ፅንተት ዝተፈጠረ ‘ዩ። እዚ ኵናት እንካብ ዝተኣወጀሉን ዝተኻየደሉን 2

ዓመታት (2013-2015 ዓ/ም) ደጋዊ ናይ ህልውና ፈተና ልዕሊ ኹሉ ገዚፉ ዝተርኣየሉ እዩ። ኣብ ክልቲኡ

ዓመታት ሓሙሽተ ሃገራትን ኩሎም ክልላዊ መንግስታትን ዝኣመትዎ መዕነዋይ ናይ ፅንተት ኵናት ህዝቢ

ትግራይን ትግራይን ካብ ምድረ ገፅ ንምጥፋእ ነጋሪት ወቒዖም ፈፂመሞ “ዮም።

እዚ ናይ ኵናት ፅንተት ወይ ጆኖሳይዳዊ ናይ ህልውና ሓደጋ ህዝቢ ትግራይ በቲ እዋን ኵናት ጥራይ

ዘብቅዐ ኣይኮነን። ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ካብ ዝተገበረሉ ንደሓር “ውን ህዝቢ ትግራይ በቲ ስምምዕ

ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ሓራ ከይወፅእ ዘየቋርፅ ግፍዕን መከራን ብምቕፃል ዝተፈናቐለ ህዝቢ ናብ

ሉኣላዊ መረበቱ ከይምለስ፣ ኣብ ዝኸፍአ ጥሜት፣ ሕማምን ሞትን ክነብር፣ ዘፍረዮ ሃፍትን ፀጋን ብምዕናው፣

ኣብ መነባብርኡ ከይነጥፍ ከይሓዊን ተመሊሱ ከይጣየሽን ህይወት ከይዘርእን ናብ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣቱ

ከይምለስ ተረጋጊኡ ከይነብር ብኹሉ ዝኸኣልዎ ይሰርሑ ኣለው። ኣብ ርእሲ’ዚ ናይ ኣመራርሓ ድኽመታት

ተበሊዖም ብዝተወደበ መንገዲ ካብ ውሽጢ ካብ ደገ ኣዋዲዶም ሓድነት ኣመራርሓን ህዝቢን ክናጋዕ ክብተን

ኩሉ ዝካኣሎም ይገብሩ ኣለው። ትማሊ ብግልፂ ወራር ሎሚ ድማ መልክዑ ዝቐየረ ድምፂ ዘይብሉ ፅንተት

(Silent Genocide) ይፍፀም ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅድመን ድሕረን ምጥያሽ ኢትዮጵያ ኣብዘሎ ጉዕዞ ታሪኹ ብዝተፈላለዩ

ምዕራፋት ዝሓለፈ፣ ኣብ’ዚ ነዊሕ ከይዲ ብውሽጥን ብደገን ዝተፈላለየ ትሕዝቶን መልክዓትን ዘለዎም

ተደጋጋሚ ናይ ህልውና ፈተናታት እናጋጠምዎ በቢመድረኹ እናመከተ ኣብ ቡዙሕ እዋናት ድማ ንባዕሉ

ጥራሕ እንተይኮነስ ንኻልኦት ህዝቢታት ህልውናን መሰልን ውን ክቡር መስዋእትነት እናኸፈለ ዝመፀን

ብኹሉ ዓይነት ትሕዝቶን ቴክኖሎጂን ዝበልዕዎ ወረርቲ ሓይሊታት ውን እናሰዓረ ህልውና ዘቐፀለ ህዝቢ

ዩ። ትግራይን ተጋሩን ዝፈጠረ፤ እንካብ ውሕዳት ናይ ዓለም ስልጣነታት ውሽጢ ሓደ ኮይኑ ዝስራዕ ህዝቢ

ኮይኑ እናሃለወ ግን ክሳብ 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ጭራ ህዝቢታት ዓለም ተሰሪዑ እንካብ ሓዑር ሃለዋት

ምርግጋፅ ዘይወፀን ኣብ ሕቶ ህልውና እናተንከባለለ ዝነብርን ዘሎን “ዩ።

ትውልዲታት ትግራይ በቢምዕራፍ ዝፈፀሞ መስተንክር ስሪሒታት ምርግጋፅ ህልውና ከምዘሎ ኹሉ

ነገር ግን ናይ ታሪኽ ዕዳ እናሰጋገረ “ምበር እናኸፈለ ዘይመፀ ዩ። ኩሉ ትውልዲታት ሃለዋት ኣብ ሓደጋ

ዘውድቑ ፈተናታት ብዝላዓለ ተወፋይነትን መስዋእትነትን እናኸፈለ ትግራይን ህዝባን ከይጠፍኡ ጌሩ ‘ዩ።

ይኹን ምበር ህልውና ብሄርና ኣብ ውሕስ መሰረት ዘንብር ናይ ትንሳኤ ዕማም ተልእኾ ግን ኣይፈፀመን።

3

ኣብ ሓሸዋ ዝተነደቐ ህልውና ዩ እናሰጋገረ መፂኡ። ስለዚ ድማ ዝዞረ ዕዳ ሓደጋ ህልውና ናይ ኹሉ ነገር

ማሕንቕ ዝኾነሉ ኩነታት ቀፂሉ “ሎ። ኣበይ፣ መዓዝዩ ደው ዝብል? ትውልዲ ትግራይ ታሪኻዊ ተልእኹኡ

ኣብታ መድረኽ ኣበይ ‘ዩ ክፍፅሞ? እዚ ሕንቂሕንቂሊተይ “ዚ ኣበይ፣ ማዓዝ ይፍታሕ? ናይ ሞትን ሕዮትን

ብሄራዊ ኣጀንዳ? እምበኣርከስ ኣብ’ዚ ፅሑፍ ተደጋጊሙ ከምዝተላዕለ ሓደጋ ህልውና ካብ ውሽጢ

ድኽመትን ደገን ብዝፍጠር ኩነታት ዝመፅእ እኳ እንተኾነ “ቲ ወሳኒ ጉዳይ ግን ናይ ውሽጢ ድኽመታት

እንካብ ዚ ውን ናይ ኣመራርሓ ስትራተጂያዊ ድኽመታት ስለዝኾነ ንውሽጣዊ ድኽመታትና ብዋናነት ናይ

ኣመራርሓ ፀገምና ኣብ ሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስ ማእኸል ኣእቲና እዚ ሓደጋ “ዚ ምስ ሕዚ ዝኒሀ ናይ

ህልውና ፈተና ዘለዎ ምትእስሳርን ብስፍሓት ናብ ዝግምግም መዳይ ናይ’ዚ ፅሑፍ ንሳገር።

1.2. ሓደጋ ህልውናን ሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስን ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገፅ ዝኾነሉ መድረኽ!

1.2.1. እንታይነትን ሓደጋን ፅግዕተኝነት! (ካብ መስመር ልምዓታዊ ዴሞከራሲ)

ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት እናተመርሐ ን 17 ዓመታት ዘካየዶ ብረታዊ ቓልሲ ደርጊ

ድሕሪ ምድምሳስ እንካብ ፈለምኡ ናብ ዝተበገስሉ ዕላማ ምትግባር ክኣቱ ኔርዎ። እቲ ዕላማ ኣብ መቓብር

ደርጊ ንህዝቢ ትግራይ ንወለዶታት ናይ ህልውና ሓደጋ ዝኾነ ድኽነት፣ ድሕረትን ድንቁርናን፣ ከምኡ ‘ውን

ፀረ-ዲሞክራስን ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ገጢሙ ክስዕርን ብመሰረቱ ንባዕሉ ክልወጥን ሓደጋ ህልውና

ከወግድን ኣብ ፅኑዕ መሰረት ከንብርን ክላዓል ኔሩዎ። ቀዲሙ ዘመዝገቦ ዓወት ዓቂቡ ቀፂሉ ዘሎ ዕንክሊል

ክሰብር ናብ ዝቕፅል መሰረታዊ ተልእኾ ክሰግር ኔርዎ። እዚ ተልእኾ “ዚ ን ሕ/ሰብ ትግራይ ታሪኽ ዘቐመጠሉ

ብሕታዊ ኣማራፂ ህንፀት ርእሰ ማልነት ዩ ኔሩ። ህዝቢ ትግራይ ቀዲሙ ብዘካየዶ ዴሞክራሲያዊ ወያነ

ንምዕባለ ርእሰ ማልነት ቀይዶም ዝሓዙ ኣግባብ ማእቶትን ሓይሊታትን ምውጋዱ ቀፂሉ ንዘሎ ህንፀት ርእሰ

ማልነት ዘመቻቸወ ነይሩ። ስለዝኾነ እቲ ተልእኾ ቀዳማይ ዓወት ብምዕቃብ ህዝቢ ትግራይ ንቕድሚት

ዘሰድሮ እንካብ ናይ ወለዶታት ናይ ህልውና ዕዳ ዘውፅኦ ህንፀት ርእሰ ማልነት ምስላጥ ዩ ኔሩ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ናይ ህልውና ሓደጋ ዕንክሊል ንምውፃእ ዝካየድ ህንፀት ርእሰ ማልነት 3*

ብጥብቂ ዝተኣሳሰሩ መሰረታዊ ተልእኾታት ተቐሚጥሉ። ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ኣብ’ዚ ስትራተጂያዊ

መድረኸ ክፍፀሙ። ሰላም ብዝምልከት ኣብ ትግራይ ዘላቒን ዘተኣማምንን ሰላም ክህልዋ ትግራይ ብርኪ

ብብርኪ እንካብ ዓውደ ኵናት ትወፀሉ ምእንተ ዚ መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ልምዓት ዲሞክራሲ ዝረጋገፀሉ

ምስ ጎረባብታ ‘ውን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ጥቕምን ጥራሕ ዝተመስረተ ርክብን ዝምድናን ክኾን፣ ልምዓት

ብዝምልከት ቁጠባዊን ማሕበራዊን ልምዓት ‘ቲ ዝቐልጠፈ፣ ር/ማላዊ ምዕባለ፣ ተኸታታሊን ኣብ ሓፂር

ር/ማላዊ ምዕባለ ህዝቢ ካብ’ቲ ልምዓት ክረኽቦ ዝኽእል ዝላዓለ ረብሓ ዘረጋግፅ፣ ብመዳይ ዲሞከራሲ “ውን

ህዝቢ ኣብ ኩሎም መሰላት ብዝላዓለ ተረባሒ ዝኾነሉ ዲሞክራሲ ምስፋሕን ምዕሟቕን። ብድምር ህዝቢ

4

ትግራይ ክንዲ ኹነታት ዘፍቐዶ ብዝላዓለ ዝርበሐሉ፣ ብጣዕሚ ቁልጡፍ ተኸታታልን ፍትሓዊን ህንፀት ርእሰ

ማልነት ምስላጥ። “ዚ ድማ ናይ ዕንክሊል ጀማሪ ርእሰ ማልነት ሰጊሩ ዱልዱል ርእሰ ማልነት ምህናፅ

ላዕለዋይ ማእኸለዋይ እቶት ዝወነነ ሕ/ሰብ ትግራይ ክሳብ ዝፍጠር ዘሎ እዋን ሓደ ስትራተጂያዊ መድረኽ

ክኾንን ተነፂሩ።

እዚ ካብ ዘየቋርፅ ዕዳ ሓደጋ ህልውና ኣውፂኡ ናብ ቀፃሊ ትራንስፎርሜሽን ዝወስድ መሰረታዊ

ተልእኾ (Strategic Objectives) ክፍፀም ቀፂሉ ዝመፅእ ወሳኒ ሕቶ ነዚ መን መሪሑ የፈፅሞ? በዓል መን

ሓይሊታት “ዮም ነዚ ተልእኾ ኣብ ምፍፃም ዝዋደቑ ዝብል ጭቡጥ ናይ ሓይሊታት ኣሰላልፋ ሕቶ ስዒቡ

ዝመፅእን ብትኽክለኛ መንገዲ ክምለስ ዝግበኦን ይኸውን። ንሕ/ሰብ ትግራይ ንቕድሚት ዘሰጉም ሞተር

ደርባዊ ቃልሲ በዚ ጭቡጥ ኣሰላልፋ “ዩ ዝምለስ። እቲ ኣጠቓላሊ ኣሰላልፋ ደሓረ ክንምለሶ ናይ ዚ

መድረኽ ህንፀት ርእሰ ማልነት መን ዩ መራሒ፣ መን’ዩ መራሒ ክኾን ዘለዎ እቲ ዝኸውንን ዘይኸውንን

ኸ ንምንታይ…ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒልና ፈለማ ንመልሶ። ኣብ ታሪኽ ቡዙሓት ህንፀት ርእሰ ማልነት

ዘሳልጣ ሃገራት ‘ዚ ከም’ዚ ዝበለ ወያነ ዝመርሖ ልምዓታዊ ርእሰ ማላዊ ‘ዩ። ኣብ ናትና ብሓፈሻ ድማ ገና

ኣብዘይማዕበላ ሃገራት እሞ ድማ ኣብ’ዚ ዝላዓለ ሞኖፖሊ ር/ማልነትን ግሎባላይዜሽንን ዓለም ብሄራዊ ርእሰ

ማላዊ ህንፀት ር/ማልነት ይመርሕ ዶ?

ህንፀት ርእሰ ማልነት ኣብ’ዚ ዘለናዮ መዋእል ግሎባላይዜሽን ንክተሳልጥ ከቢድን ቡዙሕ ሕልኽላኽን

ዘለዎ ከይዲ “ዩ። ኣብ ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ብዘሎ ደረጃ ምዕባለን ድሑር ፖለቲካ ኢኮኖሚን ፅግዕተኛ

ርእሰ ማላዊ እንተዘይኾይኑ እቲ መፍረያይ ሓቀኛ ርእሰ ማላዊ ዝመርሐሉ ኩነታት የለን። እቲ መፍረያይ

ወይ ማእቶታዊ ርእሰ ማላዊ ዝበሃል እንካብ “ቲ ፅግዕተኛ ርእሰ ማላዊ ብመሰረቱ ዝፍለየሉ ወሳኒ ጉዳይ ትርፊ

ዝረኽበሉ ኣራእያን መንገዲን ዝምልከት ዩ። ማእቶታዊ ርእሰ ማላዊ ትርፊ ዝረኽበሉ ቀንዲ መንገዲ ካፒታል

ብልምዓታዊ መንገዲ እናፈጠረ ካፒታሉ ኣዋፊሩ፣ ሸቃላይ ቆፂሩ፣ ኣብ ዓለምን ከባብን ተወዳዳራይ፣ ፅሩይን

ብቑዕን ሸቀጣትን ኣገልግሎታትን ኣፍርዩ ብምሻጥ ጥራሕ እዩ። ማእቶታዊ ርእሰ ማላዊ ከም’ዚ እንትገብር

ንሕ/ሰብ ብምሕሳብ ኣይኮነን እኹል ትርፊ ክረክብ “ምበር። ይኹን ምበር በቲ ወድዓዊ ጉዕዞ ኣብ’ዚ

መስርሕ ሕ/ሰብ ምርብሑ ዘይተርፍ “ዩ። በዚ ትኽክለኛ ናይ ልምዓት ለውጢን ምንቅስቓስን ብዝተፈላለየ

መንገዲ ሕ/ሰብ ናብርኡ የመሓይሽ ዩ። ለውጥን ልምዓትን ሃገር “ውን የሳልጥ “ዩ።

ዘይመፍረያይ ወይ ፅግዕተኛ ርእሰ ማላዊ በቲ መንገዲ መፍረያይ ርእሰ ማላዊ ፈፂሙ ኣይከይድን።

ናይ’ዚ ሓይሊ ‘ዚ ኣራኣእያን መንገዲን ሃፍቲ ዝእክብ ብዕሬት፣ ብዋጋን መጠንን ተወዳዳሪ ሸቐጣትን

ኣገልግሎትን ብምፍራይ እንተይኮነ ስልጣን ብምቁፅፃር ወይድማ ስልጣን ምስ ዝተቖፃፀረ ሓይሊ ኮይኑ ብናይ

ሓባር ጉሕለት፣ ብሌብነትን ግቦን ዝህፍትም ‘ዩ። በዚ ኣቢሉ ብገፊሑ ኣብ ኣየር ብኣየር ንግዲ ማእኸል ጌሩ

ምስ ናይ ወፃኢ ኩባንያታት ተሻሪኹ መሻየጢ ብምዃን ናይ ዓዲ ሃፍቲ እናጓሕጎሐ ርእሰ ማላዊ ዝኾን “ዩ።

5

ናይ’ዚ ሓይሊ ‘ዚ መንገዲ እግረ መንገዱ ‘ውን እንተኾነ ዘዕኑ ‘ምበር ንልምዓት ህዝቢ ሃገር ዝፍይዶ ነገር

የብሉን። በዚ ምኽንያት ናይ ትግራይ ርእሰ ማላዊ መፍረያይ እንተይኾነ ፅግዕተኛ ‘ዩ። ንምንታይ ከምዚ

ኾይኑ? ናትና ነጋዳይ ር/ማላዊ ካብ ካሊእ ዓለም ዝተፈለየ መጭበርበሪ ተፈጥሮ ስለዘለዎ…ወዘተ ድዩ?

ኣይፋሉ! ናትና ር/ማላዊ ብዝተፈለየ መጭበርበሪ ካብ ምዃኑ ዝብገስ እንተይኮነ ኣብ ክልተ መፀገምቲ

ማሕንቓት ስለዝነብርን ዝሰርሕን ‘ዩ። ሓደ ዓለማዊ ኩነታት ዝፈጥረሉ ማሕንቕ እንትኾን እቲ ካልኣይ ድማ

ብርኪ ዕብየት ትግራይና ብኹሉ ገፅ ኣብ ትሑት ኩነታት ብምህላው ‘ዩ። ናትና ር/ማላዊ ፅግዕተኛ ክኾን

ዝገብሮ ሓደ መሰረታዊ ጉዳይ ዓለማዊ እንትኸውን ኣብዚ ናይ ሕዚ ዝራኣናዮ ግሎባላይዝድ ዓለም ብተግባር

ዝወዳደር ሸቐጥ ኣፍሪኻ ሸይጥካ ጥቁው ትርፊ ክትረክብ ምስ ናይ ካልኦት ዝማዕበሉ ሃገራት ሸቐጥ ተወዳዳሩ

ስዒሩ ክወፅእ ኣለዎ። ውድድሩ ምስቶም ብኹሉ ገፅ ዝማዕበሉ ዝላዓለ ርእሰ ማል ዘለዎም ዘመናዊ ቴክኖሎጂ

ዘጥረዩ፣ ዝሰልጠነ ሰብ ሓይሊ፣ ዘመናዊ ኣሰራርሓ፣ መሰረተ ልምዓትን ኣወዳድባን ምስዘለዎም ክወዳደር

ይግደድ። በቲ ኻሊእ ገፅ ናይ ውሽጢ ዓዲ ጉዳይ ድማ ብጣዕሚ ዓብይ ፀገም ካፒታል ዱሑር ቴክኖሎጂ፣

ድሑር ኣሰራርሓ ኣወዳድባ፣ ዘይሰልጠነ ሓይሊ ሰብ፣ ድሑር ናይ ፋይናንስን ዕዳጋ ስርዓትን ብኣጠቓላሊ

“ውን ትሑት መሰረተ ልምዓት…ወዘተ ስለዝኾነ ኣብ’ዚ ኹነታት ‘ዚ ተወዳዲሩ ከስዕርን ካብ ማእቶት

ምፍራይ ዝመፅእ ትርፊ ክረክብ ዓብይ ቃልሲ ይሓትት። ብምኻኑ ድማ እንካብ ዝወዳደር ሸቀጥ ምፍራይ

ካብዚ ወፃኢ ናብ ዘሎ ፅግዕተኛ መንገዲ ይመርፅ ማለት ዩ።

እምበኣርከስ እቲ ዋና ፀገም ናይ ዓድናን ዓለምናን ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ኩነታት ብምምዕባልን

ብምድሓርን ዝተፈጠረ ምበር እቲ ጉዳይ ናይ ውልቀ ሰባት ምብልሻው ጉዳይ ኣይኮነን። (ቡልሽዋት ውልቀ

ሰባት ከምዘለዎ ኮይኖም) በዚ ከምዚ ዝበለ ጭቡጥን ወድዓዊን ኩነታት ውሑድ ዘይኮነ ናይ ትግራይና

ር/ማላዊ መፍረያይን ሓዱሽ ሃፍትን ዝፈጥር እንተይኮነ ዝርካቡ ሃፍቲ ህዝቢ፣ መንግስቲን ዓዲን እናተሻጠረ

ብጉሕለት ሃፍቲ ዝእክብ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ከም ሓይሊ ቁልጡፍ፣ ተኸታታሊ ህዝቢ ዝርበሐሉ ልምዓት

መሪሑ ብፍፁም ከምፅእ ኣይኽእልን። እንትጠቓለል ኣብ ናትና ኩነታት ርእሰ ማላዊ ይምራሕ ማለት “

ፅግዕተኛ ርእሰ ማላዊ ይምራሕ ” ማለት ይኸውን ኣሎ ማለት ዩ።

ኣብ ትግራይ ቁልጡፍን ፍትሓውን ልምዓት እንተዘይመፂኡ እታ ናይ ህልውና ሓደጋ ከምዘለዎ

ምቕፃል ጥራሕ እንተይኮነ ናብ ክውን ሓደጋ ዩ ዝቕይሮ። ህዝቢ ትግራይ ብቁልጡፍ ልምዓት ሕርሽኡ

ዘለዎ መሓውራዊ ፀገማት ተቐሪፉ ዓለም ዝበፅሖ ደረጃ መፍረይነት በፂሑ ትርፊ ምህርቲ ብዝለዓለ ተረኺቡ

ንምዕባለ ኢንዳስትሪ መሰረት ከንፅፍን ዘተኣማምን ኢንዳስትሪያላይዜሽን ፈጢሩ ልዑል ኢኮኖሚያዊን

ቴከኖሎጂያዊን ዓቕሚ ከጭብጥ ተዘይኪኢሉ ኣብ ቁራስ መሬትን እንካብ ዚኣ ትርከብ ንምግቢ ‘ኳ

ዘይትኣከል እቶት ሒዙ ድኽነት ተሸኪሙ ከምቲ ሕሉፍ ክነብር ኣይኽእልን። በዝሒ ህዝቢ እናተወሰኸ

ዝውሰኽ መሬት፣ ዝውሰኽ ምህርቲ ዘይብሉ ዝለዓለ ስራሕ ስእነት እናተፈጠረ ነንባዕሉ ዝባለዓሉ ኩነታት ዩ

6

ዝፍጠር። ስለዝኾነ መንገዲ ፅግዕተኝነት ነንባዕልኻ ተባልዕ መንገዲ ትኾን። ነዚ ፀገም ክፈትሕ ዝኽእል

ፅግዕተኛ እንተይኮነ ንረብሓ “ቲ ገባር ደው ዝበለን ህልውንኡ ምስ ህልውና ገባር ዘተኣሳሰር ህልውንኡ ምስቲ

ከተመታይ፣ ንኡስ ወናኒን ምስቲ ሸቃላይን ዘተኣሳሰረን ነዚኦም ኣሰሊፉ ቁልጡፍ ለውጢ ዘምፅእ ወገን

ህዝቢ ጥራሕ ‘ዩ ክገብሮ ዝኽእል። ብምኻኑ ድማ ልዑልን ቁልጡፍን ለውጢ ሕርሻ፣ ለውጢ ኢንዳስትሪ

ናይ ምንባርን ዘይምንባርን፣ ናይ ህልውናን ድሕንነትን ሕቶ ይኸውን “ሎ። መንገዲ ፅግዕተኝነት ነዚ

ኣይፈትሕን ጥራሕ እንተይኮነስ ሓደጋ ህልውና ክውን ይገብሮ።

ብፖለቲካ ኣንፃር እንተተራእዩ ውን ከምቲ ናይ ኢኮኖሚ ናይ ህልውና ሓደጋ ዘስዕብ ‘ዩ። ኣብ

ስርዓት ር/ማልነት ዋና ተጠቃሚ እቲ ር/ማላዊዩ። ማእቶታዊ ር/ማላዊ ዝርባሕ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ

ትርፊ ዘርክብ ሸቐጣትን ግልጋሎትን ብምፍራይ ኣቢሉ “ዩ። ‘ዚ ብምኻኑ ማእቶታዊ ር/ማላዊ ፖለቲካዊ

ስልጣን ወይድማ መንግስቲ ኣብዚ ብውድድር ናይ ምፍራይ ከይዲ መንጎኛ ዳኛ ኮይኑ እቲ ናይ ሸቐጣትን

ኣገልግሎትን ልውውጥ ብዘይኣድልዎ ዝፍፀመሉ ኩነታት ክህሉ ይደሊ። መንግስቲ ኣብ ቁፅፅር ሓደ ጉጅለ

ኣትዩ ዝሰርሕ ምዃኑ ተሪፉ ንኹሉ ብማዕረ ዘተኣናግድ ብፍትሕን ብሕግን ዘተኣናግድ ክኾን ይደሊ ክኸውን

“ውን ይግባእ። ነዚ ከምዚ ዝበለ መስርሕ ማእቶታዊ ርእሰ ማላዊ ይደልያ ጥራሕ ዘይኮነስ ይቃለሰላ ‘ውን።

ፅግዕተኛ ር/ማላዊ ግን ንመንግስቲ፣ ንፖለቲካዊ ስልጣን ከም ተሓሊባ ዘይትነፅፍ ላሕሚ ምሕላብ

“ምበር ንመፍረይነት ኣይጥቀሙሉን። ንኣየር ብኣየር ንግዲ ምስ ወፃኢ ኩባንያታት መዛመድን ሃፍቲ

መጓሕጉሒን ይጥቀሙሉ። በዚ ምኽንያት መንግስታዊ ስልጣን ዝተቖፃፀረ ወገን ሓሊፍሉ ማለት ይኸውን።

ስልጣን ዘይተቖፃፀረ ሓይሊ ይወድቕ ይድቆስ ማለት ይኸውን። በዚ ምኽንያት መን ዝወዳደር ሸቐጥ

ኣገልግሎት ኣፍረየ ምኻኑ ተሪፉ ስልጣን መን ሓዘ ይኸውን። እዚ ስልጣን ‘ዚ ብዴሞክራሲያዊ መንገዲ

ዝምለስ እንተይኮነ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካሊእ ቀቲልካን ጨፍሊቅካን መንግስትነት ብርስቲነት ምሓዝ

ይጠልብ። ብምኻኑ ድማ ሙሉእ ባህሪኡ ፀረ-ዲሞክራሲ ይኾን። ስለዚ ር/ማላዊ ይምራሕ ማለት ፅግዕተኛ

ርእሰ ማላዊ ምበር መፍረያይ ርእሰ ማላዊ ዝተጠናኸረ ስለዘይኮነ “ፅግዕተኛ ርእሰ ማላዊ” ይምራሕ ማለት

ይኸውን። ፅግዕተኛ ይምራሕ ማለት ድማ ፀረ-ዲሞክራሲ ይግዛእ ማለት ይኸውን። ፀረ-ዲሞክራሲ ድማ ኣብ

ትግራይ ናይ ህልውና ሕቶ ዩ። ህዝቢ ትግራይ መሰሉ፣ ነፃነቱን ፍትሒን ምእንተ ቁልጡፍ ዕብዬትን

ዲሞክራሲ ዘቐድም ህዝቢ ጥራሕ እንተይኮነስ ነዚ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ዝኸፍል ህዝቢ ኣገዛዝኣ ፀረ-

ዲሞክራሲ ነንባዕሉ ኣባሊዑ ሓደጋ ህልውና ክውን ይገብሮ ማለት ዩ። ብሃገር ብርኪ እንተወሲድናዮ ድማ

ኢትዮጵያ ናይ ብሄራትን ብሄረሰባትን ዓዲ ኣብ ዝኸፍአ ብሄራዊ ጭቆና የእትዋን ህዝቢታት ነንባዕሎም

ኣባሊዑ ዝበታትናን ይኸውን።

ፀረ-ዲሞክራሲ ፅግዕተኛ ሓይሊ ስልጣን ሒዙ ክቕፅል እንተኾይኑ ይውሓድ ይብዛሕ ናይ ህዝቢ

ድጋፍ የድሊዮ “ዩ። ይደሊ ውን ‘ዩ። እዚ ናይ ህዝቢ ድጋፍ ንህዝቢ ዝጠቅም ፕሮግራም፣ ፖሊሲን

7

ስትራተጂን ካብ’ዚ ዝላዓሉ ኣጀንዳታት ሒዙ ህዝቢ ሓቒፉ ብምቅላስ ዝረኽቦ ድጋፍ ዳርጋ የለን። ከምዚ

ዘግብር ባህሪ ስለዘየብሉ ድጋፍ ዝእክበሉ መንገዲታት ከባብነት፣ ዓሌታውነትን ፀቢብነትን ስምዒታት ዘራስኑ

እንካብ ዋና ኣጀንዳ ዘውፅኡ ናብ ኣናእሽቲ ኣጀንዳ ዝስሕቡ (ዕስለነት፣ፐፒሊዝም…ወዘተ) ጉዳያት ማእኸል

ናይ ምንቅስቓሶም ይገብሩ። ብፍላይ ከባቢነትን ፀቢብነትን ማእኸል ኣጀንደኦም ጌሮም እንካባኻ ተወሊድና

ስልጣን ሒዝና፣ ከባቢና ብሄርና ልዕልነት ሒዛ…ወዘተ ብግልባጡ ድማ ንስኻ ልዕልነት ከይትረክብ ትግበር

ኣለኻ፣ ወዲ ዚ ኸባቢ ስለዝኾንኩ ንዓይ ካብ ስልጣን ከውርዱ ይንቐሳቀሱ ኣለው ብዝብል ከላዓዕል ይፍትን።

በዚ መንገዲ ፀረ-ዲሞክራሲ ፅግዕተኛ ሓይሊ ምስ ህዝቢ ዘተኣሳሰሮ ገመድ ክፈጥር ከም ቀንዲ ጭርሖ

ከባቢያዊነትን ፀቢብነትን ዘንበድብድ ይኾን።

ብምጥቕላል ኣብ ከማና ዝበለ ዱሑር ሕ/ሰብ ግን ንህንፀት ርእሰ ማልነት ዝተበገሰ ህዝቢ ሓይሊ

ርእሰ ማላዊ ይምረሓዮ እንተተባሂሉ መፍረያይ ርእሰ ማላዊ ብወድዓዊ ኩነታት ገና ዘይማዕበለ ስለዝኾነ

ብወድዓዊ ኣሰላልፍኡ ፅግዕተኛ ዝኾነ ርእሰ ማላዊ ዩ ዝኸውን። ‘ዚ ሓይሊ ድማ ፀረ-ልምዓትን ፀረ-

ዲሞክራስን “ዩ። ብምዃኑ ድማ ውድቀት ቁጠባዊ ማሕበራዊ ሙሉእ ብሙሉእ የስዕብ። ‘ዚ ብግዲኡ ናይ

ህልቀትን ምብልላዕን ይወስድ። ካብ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣንፃር ውን ባህሪ ፍፁም ፀረ-ዲሞክራሲ ኣገዛዝኣ

ብምትግባር ጠቕላላ ሰብኣዊ ዲሞክራሲያዊ መሰላት፥ መሰላት ብሄርን ብሄረሰብን ይዕፍን። እዚ ብግዲኡ

“ውን ናብ ምብላዕን ምብትታንን ይወስድ፤ ናይ ህልውና ሓደጋ ይኾን።

ህንፀት ርእሰ ማላዊ ስርዓትን ዝተቐመጡ ተልእኾታትን በቲ ዝተቐመጠ ትንታነ ርእሰ ማላዊ ክመርሖ

ዘይኽእል ክሳብ ዝኾነ እቲ ህንፀት መን ይምርሓዮ? እቶም ቁልፊ ተዋሳእቲ ሓይሊታት ከ በዓል መን ዮም?

ዝብል ቀፂሉ ምላሽ ክረክብ ዘለዎ ሕቶ ዮ። ገባር ቀንዲ ሓይሊ ናይቲ ጉዑዞ “ዩ። ኣብ መቓብር መስፍንነት

ዝረኸቦ መሬት ሒዙ ዝበለፀ ምዕባለን ለውጢን ዝድሊ፣ ስለዚ ድማ ተረባሒ፣ ድሌትን ተኸእሎን ዘለዎ

“ዩ። ሸቃላይ ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብቲ ምዕባለ ርእሰ ማልነት ተረባሒ ዩ። ነባሪ ህዝቢ ከተማ በቲ ዝመፅእ

ምዕባለ ተረባሒ “ዩ። ከምኡ ውን ምሁር ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ዝተዋፈረ ንኡስ ወናኒ ብተመሳሳሊ

ተረባሕን ተሰላፊን ዩ። ማእቶታዊ ብሄራዊ ርእሰ ማላዊ ተረባሒ “ዩ። እቲ ስርዓትን ጉዕዞን ናይ ባዕሉ “ዩ።

“ቲ ህንፀት ብጠቕላላ ብዘይካ ማእቶታዊ ተራ ዝፃወት ርእሰ ማላዊ ሓይሊ ዝፍፀም ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት

“ውን መንግስቲ ይኹን ውድብ ካብ’ዚ ሓይሊ ተነፃፃሪ ነፃነት ሃልዩዎም ናይ ካሮትን በትርን ፖሊሲ ሒዞም

ብመንገዲ መፍረያይነት እንትኸይድ ካሮት እናሃብካ፣ ናብ መንገዲ ፅግዕተኝነት እንተዘንብል ድማ በትሪ

ብምርኣይ መተካእታ ዘይብሉ ተርኡ ክፃወት ምግባር “ዩ።

ነዚ ጉዕዞ ዝመርሖ ድማ ወገን ህዝቢ ዝኾነ ህዝባዊን ወያናይን ምሁር (Organized Progressive

Elite) ይኾን። ፅግዕተኛ ርእሰ ማላዊ ድማ ፀላኢ ናይቲ ጉዕዞ ኮይኖም ይስለፉ። ብምጥቕላል ገባር፣ ሸቃላይ፣

ነባሪ ከተማን ንኡስ ወናኒን ከምኡ ውን ማእቶታዊ ርእሰ ማላዊ ብህዝባዊ ሙሁር እናተመርሑ ሓይሊታት

8

ልምዓትን ዴሞክራስን ኮይኖም ብሓደ ገፅ፣ ፅግዕተኛ ርእሰ ማላዊ ድማ ፀረ ልምዓትን ፀረ ዲሞክራስን በቲ

ኻሊእ ገፅ ኮይኖም ዝተሰለፉሉ ስትራተጂዊ መድረኽን ስትራተጂያዊ ኣሰላልፋን ‘ዩ ሞተር ናይቲ ደርባዊ

ቃልሲ። መስመርና ብንፁር ዘቐመጠ ‘ዚ ‘ዩ። እምበኣርከስ ሕብረተሰብ ትግራይ ብኹሉ ገፅ ንቕድሚት ናይ

ምምራሽ ጉዕዝኡ መራሒ ምስ ህዝቡ ዝወገነ ህዝባዊን ወያናይን ምሁር “ዩ ክሳብ ዝበልና ‘ዚ ሓይሊ ደኣ

እንታይ ጥንካረታት፣ ድኽመታትን ባህሪያትን ‘ዩ ዘለዎ፣ ሕዚኸ ብጭቡጥ ኣብ ምንታይ ብርኪ ኣመራርሓ

ይርከብ እንታይ ፀገማት እዩ ዘለዎ፣ ዝቕፅል ናይ’ዚ ገምጋም ምዕራፍ ዝሪኦ “ዩ።

1.2.2. ተግባራዊ ምትእስሳር ሓደጋ ህልውናን ፅግዕተኛነትን (ህያው መስመር)

ክሳብ ሕዚ እናራኣናዮ ዝመፃና ሓይሊ ፅግዕተኛ እንካብ ውሽጢ ውድብ ምብስባስ ዝፍጠር ይኹን

ብደገ ተወዲቡ ስልጣን ተቖፃፂሩ ኣብ ኩነታት ትግራይ ይኹን ሃገር እንተመሪሑ ‘ዚ ሓይሊ ስሉጥ፥

ፍትሓውን ውሑስን ልምዓት ከረጋግፅ ኣይኽእልን። ስለዚ ድማ ከምዚ ዓይነት ልምዓት ብዘይምህላው ስዒቡ

ዝመፅእ ናይ ምብላዕን ምጥፋእን ከምዝኾነ፣ ፍፁም ፀረ-ዲሞክራሲ ብምዃኑ ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን

መሰላት ጠቕሊሉ ከም ዝግህሶምን ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ ናይ ብሄርን ብሄረሰብን ሃገር ብምዃና ናይ

ቢሄራት መሰል ሙሉእ ብሙሉእ ብምዕፋን ህዝቢታታ ናይ ምብታን ሓደጋ ከምዘስዕብ ስለዚ ድማ ከይዱ

ከይዱ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ሃገራዊ ህልውናን ድሕንነትን ጉዳይ (Issue of National Survival and

Security) ምዃኑ መስመረና ኣብ ተሃድሶ 1993ዓ/ም ኣቐሚጥዎ። በቲ እዋን ከምዚ ዝበለ መሰረታዊ

ገምጋምን መደምደምታን እንትቕመጥ ንጭቡጥ ኩነታት ሃገርን ትግራይን መሰረታዊ ፀገማት ብምልላይ፣

ናይ ዓለምን ከባብን ገምጋምን ተሞክሮታትን ብምቕማርን ናብ ውሽጢ ዓዲ ብምግንዛብን ዝተነፀረ ውፅኢት

ሳይንሳዊ፣ መፅናዕትን ምርምርን ‘ዩ ኔሩ።

ህወሓት/ ኢህወዴግ ብዕጥቂ ቃልሲ ጌሮም ደርጊ ደምሲሶም ስልጣን ዝተቆፃፀሩ ወገን ህዝቢ ዝኾኑ

ውድብን መንግስትን ስለዝኾኑ ኣብ ደገ ዘሎ ፅግዕተኛ ሓይሊ ተወዲቡ ብመረፃ ናብ ስልጣን ክመፅእ

እንተኽኢሉ ጥራሕ ዩ ስልጣን ክቆፃፀር ዝኽእል ነይሩ። ፅግዕተኛታት ተወዲቦም ኣብ ዝተፈላለየ መረፃታት

እንተፈተኑ ውን በዚ መንገዲ ‘ዚ ናብ ስልጣን ዝመፅሉ ዕድል ኣይነበረን። ብዓብይኡ ዝግመት ‘ውን

ኣይነበረን። ብምኻኑ ውን ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ሃገር ናይ ፅግዕተኝነት ሓደጋ ብመሰረቱ ካብ ውሽጢ

ብዝፍጠር ምብስባስ፣ እቲ ወገን ህዝቢ ዝነበረ ህዝባዊን ወያናይን ሓይሊ ስልጣን ሒዙ እታ ስልጣን መስርሒት

መገልገሊትን ናይ ህዝቢ ረብሓ ኣብ ክንዲ ምግባር ንውልቀ ረብሓታትን ሃፍቲ መአከቢትን ምእንተ ዚ

ድማ ካብቲ ውድብ ወፃኢ ምስዘሎ ፅግዕተኛ ተኣሳሲርካ ነታ ስልጣን ብምሕላብ ወራር ምክያድን ነዚ

ንምሽፋን ድማ ዓሚዩቕ ፀረ-ዲሞክራሲ ምፍፃምን ኣቢሉ ኣብ ሓደ እዋን ህዝባዊ ዝነበረ ሓይሊ በስቢሱ ናብ

ሙሉእ ገዛኢ ደርቢ ብምስግጋር ዝፍጠር ፅግዕተኛነት ከምዝኾነ መስመርና መሊስዎ ሓዲሩ ዩ።

9

እቲ ዝተነፀረ ናይ ውሽጢ ውድብ ሓደጋ ምስሙሉእ መፍትሒኡን ናይ ቃልሲ ዕጥቅን እውን ዩ

ኔሩ። እቲ ውድብ ውሽጠ ቃልሲ በቲ ዝተቐመጠ መፍትሒ ክቃለስ ስለዘይካኣለ ዝተወደበ ፅግዕተኛ ሓይሊ

ናብ ስልጣን መፂኡ። (2010 ዓ/ም) መስመር ዘነፀሮ ሓደጋ ኣጋጢሙ። እቲ መስመር ናይ ገምጋምን

ትንታነን ናይ ሓሳብ መምርሒ ጥራሕ እንተይኮነስ ብተግባር ብዕሊ ተራእዩ። ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ሃገር

ሓይሊ ፅግዕተኛ ስልጣን እንተሒዙ ናይ ህልውና ሓደጋ ዘስዕብ ‘ዩ ብዝብል ዝተቐመጠ ሓሳብ ትኽክለኛነቱ

ኣርእዩ ጥራሕ እንተይኾነስ ‘ቲ ናይ ህልውና ሓደጋ ብጆኖሳይድ ዝተገለፀ ሓደጋ ኮይኑ። ካብዚ ኣንፃር

መስመርና ብሓፈሻ እንካብ ዘይምልማዕን ፀረ-ዲሞክራስን ምዃን ስዒቡ ዝመፅእ ምብላዕን ኣርማን ጌድኦንን

“ዩ ዝበሎ ብጆኖሳይድ መልክዕ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ተፈፂሙ። ጆኖሳይድ ዝለዓለ ጫፍ ሓደጋ ህልውና ኮይኑ

መፅዩ።

በዚ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ብሄራትን ብሄረሰባትን ዓዲ ንብሄራዊ ጭቆና ተቓሊሱ ዝሰዓረ ውድብን

ህዝብን ትግራይ ሸንሸል ብሄራዊ ዕብለላ በጢሱ ኣብ መቓብር ዓብለልቲ ሓዱሽ ናይ ማዕርነት ሕገ-መንግስታዊ

ስርዓት ዝፈጠረን ብመስርሕ ምብስባስ ናብ ስልጣን ዝመፀ ሓይሊ ፅግዕተኛ ገዛኢ ደርቢን ዝህሊ ዝምድና

ከምቲ ብተግባር ዝተራኣየ ናይ ጆኖሳይድ መስርሕ ‘ዩ። ‘ዚ ካምዚ ዝበለ ፅግዕተኛ ሓይሊ ንህዝቢ ትግራይ

ንካልኣይ ግዜ ከምዘይትስእ ክገብሮ ‘ዩ ዝውስን። ሓዱሽ ውፅኢት ምብስባስ ዝኾነ ፅግዕተኛ ሓይሊ ኣብ

ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ “ውን ‘ዚ ‘ዩ። ብምዃኑ ትማሊ፣ ሎሚ፣ ፅባሕ ‘ውን ኣብ ሞንጎ ህዝቢ

ትግራይን ኣብ ሃገር ዘሎ ዝበስበሰ ፅግዕተኛ ሓይሊን ናይ ጆኖሳይድ ርክብ ጥራሕ ‘ዩ ዘለዎም። ዓለምለኸ

ገበን ሓደጋ ህልውና ዘብፅሕ ምሕረት ዘይብሉ ጨፍጫፍ ዘካይድ ጆኖሳይደር ብሓደ ገፅ፣ ንህልውንኡ

ዝከላኸል ህዝቢ ትግራይ በቲ ካሊእ ገፅ ኣሰላልፋ ሒዙ ዝቕፅል “ዩ። እንትጠቓለል ሓደጋ ፅግዕተኝነትን

ፅግዕተኛ ምብስባስን ሓደጋ ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ብተግባር ምትእስሳር ጥራሕ እንተይኾነስ በቲ ዝኸፍአ

ጫፍ ሓደጋ ህልውና ጆኖሳይድ ተገሊፁ “ሎ።

II. ሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስ ኣብ ኣመራርሓናን ውድብናን!

2.1. እንታይነት ‘ቲ ምብስባስን ምንጪታቱን

ህልውናን ትራንስፎርሜሽንን ሓደ ሕ/ሰብ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ዝውሰን ዘይሩ ዘይሩ

2* ወሰንቲ ረቛሒታት ናይ ምምላእ ጉዳይ ‘ዩ። ዝነቕሐን ዝተወደበን ሕ/ሰብ ምህላው፣ ዝነቕሐ፣ ዝተወደበን

ገስጋሲን ሊሂቅ (Organized Progresive Elite) ምህላው እዮም። ኣብ ሓደ ሕ/ሰብ ኣብ ሓደ

ስትራተጂያዊን ስልታዊን መድረኽ ክልቲኦም ረቛሒታት እቲ ሓደ ካብቲ ካሊእ ከይተነፀለ ተጎራሪሶም ኩሉ

ግዜ ክህልው ኣለዎም። ካብ ክልቲኦም ናይ ሓዲኦም ምድኻም ከከም ብርኪ ድኽመቱን ጥፍኣቱን ነቲ

ሕ/ሰብ ምጥፋእ ሓዊሱ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዩ። ዘለናዮ እዋን ብሄራዊ ሓደጋ ህልውና ዘንፀላለወሉ እዋን

10

ስለዝኾነ ክልቲኡ ወሳኒ ረቛሒታት ዘለዎ እጃም ብዝላዓለ ህዝባውን ብሄራዉን ሓላፍነት ዝራኣየሉ እዋን ‘ዩ።

እቲ ጉዳይ ብሄራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ብምዃኑ እቲ ሓደ ኣብ ርእሲ እቲ ካሊእ ነጥቢ ናይ ምቑፃር ኣገማግማ

እንተይኮነ ሕድሕዱ በብፂሒቱ ሪኡ ዝወፀሉ ወሳኒ ወቕቲ።

እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ እቲ ሓደ ወሳኒ ረቛሒ ዝነቕሐን ዝተወደበን ሕ/ሰብ ብምህላው ኣንፃር ህዝቢ

ትግራይ ከም ሕ/ሰብ ብመሰረቱ ነቲ ረቛሒ ዘማልአ ህዝቢ “ዩ። ብጣዕሚ ጠንካራ ህዝቢ ዩ። ንቑሕ ውዱብ

ህዝቢ “ዩ። መሰሉን ጉቡእን ብእኹል መጠን ዝፈልጥ “ዩ። ኣብ ብሄራዊ ክብሩ መንነቱ ዘይደራደርን ዝኾነ

ዓይነት መስዋእቲ ንምኽፋል ንድሕሪት ዘይብል፣ ብጣዕሚ ውፉይ ህዝቢ “ዩ። ሓቀኛ ኣብ ግንባር ፍትሕን

ርትዕን ደው ዝብል ህዝቢ። ፈተውቱ ፀላእቱ ዝርዳእ ወገኑ ብኣግባቡ ዝሓቁፍ ህዝቢ፣ ብሓቀኛ መሪሕነት

ዝኣምን ዝምራሕ ተኣምር ዝሰርሕ ፅንዓት፣ ጅግንነትን ሰብኣዊነትን ዝተላበሰ ህዝቢ…ወዘተ። ግን ካብ

ዓሚዩቕ ናይ ውርደት፣ ሕስረትን መከራን ብድኽነት፣ ድሕረትን ድንቁርናን ዘይተላቐቐ ህዝቢ። እቲ ይሃሊ’ቲ

ግን ንሕ/ሰባዊ ናይ ለውጢ ጉዕዞ ኣብ ቦትኡ ዘሎ እንካብኡ ዝሕተት ኩሉ ከማልእ ድልው ዝኾነ ህዝቢ’ዩ።

እቲ ካልኣይ ረቛሒ ብሓፈሻ ሃለዋት ንቑሕ፣ ውዱቡን ገስጋስን ሊሂቅ ብዝምልከት ኣብ ታሪኽ ናይ

ህዝቢ ትግራይን ብሄረ ትግራይን ጉዕዞ በቢምዕራፉን መድረኹን ዝተፃወቶ መተካእታ ዘይብሉ እጃም

ከምዝተፃወተ ቐቕማጥ ጉቡእ’ዩ። ሊሂቅ ትግራይ በቢታሪኽ ምዕራፍ ነናይ ባዕሉ እጃም ዝተፃወተ ከምዘሎ

ኹሉ፤ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝተፈጠረ ውድብ ህወሓት ናይቲ ንቑሕ፣ ውድቡን

ገስጋስን ሊሂቅ ዝላዓለ መርኣያ “ዩ። ህወሓት ብሓፈሻ ኣብ ታሪኽ ብፍላይ ድማ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይን

ብሄረ ትግራይን ዝተፃወቶ ተራ መዘና የብሉን። ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ፣ ምስ ህዝቡ ኮይኑ ድማ ንህዝቢታት

ኢትዮጵያ ሰጊሩ ውን ንህዝቢታት ኣፍሪቃ ተምሳሌትን ኣብነትን ዝኾነ፣ ኣብ መድረኽ ዓለም “ውን

እንተይተረፈ ማሕተሙ ዘቐመጠ ውድብ “ዩ።

ይኹን ምበር ኣብ ጠቕላላ ጉዕዞ ‘ዚ ህዝብን ብሄርን ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዘለናዮ ምዕራፍ እጃም

ብሓፈሻ ገስጋሲ ሊሂቅ ብፍላይ ድማ ውድብ ህወሓት ኣብ ብቕዓቱን ኣመራርሕኡን ስትራተጂካዊ ውድቀት

ገጢምዎ ናይ ሊሂቅ ድኽመት ንትግራይ ኣብ ሓደጋ ህልውና ክወድቕ ጌርዎ “ሎ። ብታሪኽ ኣጋጣሚ ህወሓት

ኣብ’ዚ እዋን ዝትክእ ጥንክር ዝበለ ዝተወደበ ካሊእ ሓይሊ ብዘይብሉ ናይቲ ውዱብ ገስጋሲ ሊሂቅ መግለፂ

ኣብ ዝኾነሉ እዋን እንካብ እዋን ናብ እዋን እናንቆልቆለ መፂኡ ናብ ደውታ ገፁ ዝበፅሐሉ ምዕራፍ ኮይኑ

“ሎ። ብምዃኑ ውን ኣብዚ መድረኽ ኣጠቓላሊ ኣብ ትግራይ ናይ ሊሂቅ ምብስባስ (Elite decay) ገጢሙ

“ዩ። ብሓፈሻ ሊሂቅ ትግራይ ኣብ እዋን መኸተ ዘርኣዮ ተሳትፎን ተወፋይነትን ዝናኣድ ‘ዩ። ኣብ ትግራይ

ይኹን ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዝተኻየዱ ቃልስታት ከምኡ’ውን ኣባል ሰራዊት ብምዃን እጃሙ ዘወፈየ

ቀሊል ሓይሊ ኣይኮነን። ይኹን’ምበር ሓደጋ ህልውና ናይ’ዚ ብሄር ትርጉም ዘለዎ መፍትሒ ግን ከምፅእ

ኣይከኣለን። ኮይኑ’ውን እቲ ቐንዲ ተሓታቲ ፖለቲካዊ ሊሂቅ ‘ዩ። ህወሓት ናይቲ ፖለቲካዊ ሊሂቅ ውዱብ

11

መግለፂ ‘ዩ። ብምዃኑ ውን እቲ ሓደገኛ ፀገም ምብስባስ ኣመራርሓን ውድብን ህወሓት ገጢሙ ዘሎ “ዩ።

እዚ ብሓፈሻ ናይ ሊሂቅ ምብስባስ ብፍላይ ምብስባስ ውድብ ህወሓት ኣመራርሓ ኣብ’ዚ እዋን እቲ ቐንዲ

መግለፂ ሓደጋ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ መፂኡ “ሎ።

ዝሓለፈ ጉዕዞና፣ ሕዚ ኮነ ንቕድሚት ጉዕዞ ህዝቢ ትግራይ መራሒ ገስጋሲ ሙሁር እንካብ ኮነ

ኣብዚ መድረኽ “ቲ ገስጋሳይ ምሁር ብውድብ ህወሓትን ኣመራርሕኡን ዝግለፅ ስለዝኾነ ናይ ውድብናን

ኣመራርሕኡን ሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስ ናብ ምርኣይ ንስገር።

ውድብና ህወሓት ገስጋሲ ውድብ፣ ንረብሓ ህዝቢ ዝቃለስ ህዝባዊ ውድብ “ዩ። እቲ ኣመራርሓ “ውን

ህዝባዊን ገስጋሳይን ኣመራርሓ “ዩ። ፅግዕተኛ ምብስባስ ኣብ ውሽጢ ህወሓት እንትነልዕል ምበኣር እዚ

ከምዚ ዝበለ ውድብን ኣመራርሓን ስልጣን ሒዙ ህዝባዊን ገስጋሳይን ባህሪኡ እናቐየረ ብግዕዝይናን ፀረ-

ዲሞክራሲን ኣቢሉ ውግንንኡ ተሸርሺሩ ንባዕሉ ናብ ፅግዕተኛ ገዛኢ ደርቢ ክሰጋገር ዝገብርዎ መሰረታዊ

ሕመቓት ኣብ ውሽጢ ውድብን ኣመራርሓን እንትርኣይ ብጥቕልሉ ፅግዕተኛ ምብስባስ ይባሃል። እዚ

ምብስባስ ወድዓዊን ባዕላዊን ምንጪታት ኣለውዎ። ብዝርዝር ምርኣይ የድሊ።

ወድዓዊ ምንጪታት ምብስባስ፡- መስመር ተሃድሶና ፅግዕተኛ ምብስባስ ከም ቀንዲ ሓደጋ ስርዓትና እንተነፅር

31 መሰረታዊ ወድዓዊ ምንጪታት ኣቐሚጡ ‘ዩ።

እቲ ሓደ ወድዓዊ ምንጪ፡- ንወያናይን ፀረ-ወያናይን ኣራኣእያታት ዝተቓለዐ ኣመራርሓ ዘለዎ

ውድብ ምኻኑ ‘ዩ። ንህወሓት ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ ተደጋጊሙ ከምዝተላዕለ ወያናይ/ህዝባዊ ሙሁር “ዩ።

እንካብ “ቲ ዝላዓለ ምሁር ክሳብ ታሕተዋይ ኣብ ዝተፈላለየ ብርክታት ኣመራርሓ ከከም ደረጅኡ ዝመርሕ

“ዩ። እዚ ሓይሊ ‘ዚ ብፍላይ እቲ ላዕለዋይ ቀፀላ ክልተ ዝፃረሩ ባህርያት ዝተሸከመ ሓይሊ ‘ዩ። ከከም

ኩነታቱ ወያናይን ፀረ-ወያናይን ተራ ክፃወት ዝኽእል ዩ።

ወያናይ ቃልስን ወያናይ ኩነታትን ብዝተፈላለየ ምኽንያት እንትዝሓሓልን እንትጥንቡን ስግር ኢሉ

ድማ ፀረ-ወያነ ኩነታት እንትፍጠር እንካብ ህዝቢ ሪሒቑን ተንሳፊፉን ምንዳይ ረብሓ ህዝቢ ገዲፉ ንናይ

ባዕሉ ረብሓታት ጠጠው ይብል። ደርባዊ መበቆሉ ንኡስ ወናኒ ስለዝኾነ ዓብይ ደላቢ ሃብቲ ክኸውን ድሌት

ኣማዕቢሉ ናብ ምንቅስቓስ ይኣቲ። ፀረ-ወያነ ተራ ይፃወት። በቲ ኻሊእ ገፅ ድማ ንባዕሉ ብመሰረቱ ውፅዕ

ስለዝኾነ ወፅዕኡ ንምርጋፍን ወያናይ ኩነታት ዝሓሸ እንትኾንን ድማ ምስ ህዝቡ ወጊኑ ህዝቡ የንቀሳቅስ፣

የንቅሕ ይውድብ ልዑል ወያናይ ኣስተዋፅኦ ይገብር ይመርሕ። ስለዝኾነ ብሓደ ገፅ ናብ ላዕሊ ክወፅእ ዝደሊ

ናብቲ ገዛኢ ደርቢ ዝተፀገዐን ንባዕሉ ናብኡ ናይ ምድያብ ድሌት ዘለዎን፣ በቲ ኻሊእ ገፅ ድማ ኣብ ውዕይ

ወያናይ ኩነታት ወገን ህዝቢ ኮይኑ ህዝቢ ካብ ጥፍኣት ድኽነትን ድንቁርናን ንምንጋፍ፣ ዴሞክራሲ ንምዕሳል፣

ክብሪን ነፃነትን ክህሊ ታሪኽ ዝሰርሕ ዩ። እዚ ክልተ ዝፃረሩ ወይድማ ድርብ ባህርያት ዘለዎ ሓይሊ ይገብሮ።

12

እዞም ዝተገለፁ ባህሪያት ኣብ ዝኾነ እዋን ምስ’ዚ መሁር ኣመራርሓ ዘለው “ዮም። ይኹን ‘ምበር

ኣብ ሓደ ግዜ ወያናይ ካሊእ ግዜ ድማ ዘይወያናይ ባህሪኡ ጎሊሁ ዝወፀሉ ኩነታት “ዩ ዝረኤ። ዝፃወቶ ተራ

“ውን ምስቲ ጎሊሁ ዝወፅእ ባህሪኡ ብጥብቂ ዝተኣሳሰር “ዩ። ስለዚ ድማ ከም ዝኣተወላ ባሕሪ ወይ የዐርዩ

ፅሩይ ወይድማ የዐርዩ ጋዕጋዕ ክኸውን ዝወስኖ እቲ ዝነብረሉ ባሕሪ ‘ዩ። ሕ/ሰብ ብወያናይ ማዕበል ዝሓቁን

ህዝባዊ ኣጀንዳታት ሒዙ መላእ ህዝቢ እንተንቀሳቕስ፣ እንተንቅሕን እንትውደብን እቲ ባሕሪ ኣብ ዉዕይ

ህይወት ኣብ ዝኣተወሉ ምስ ህዝቡ ተታሓሒዙ ፍሉይ ግምት ዝዋሃቦ ታሪኻዊ እጃም ይፃወት። ወያናይ

ባህሪኡ ጎሊሁ ይወፅእ፣ ይቕፅል። እዚ ኣብ ዘይኾነሉን ግልባጥ ናይዚ ኩነታት እንትፍጠር ድማ ኣብ ናይ

ባዕሉ ኣጀንዳን ረብሓን ኣትዩ ናብ ገዛኢ ደርቢ ክሰግርን ታሪኻዊ ተርኡ ከምቲ ናይ ገዛኢ ደርቢ ክኾን

ይገብሮ። ናብ ገዛኢ ደርቢ ዕድል ዘይረኸበ ሓይሊ ድማ በለዐኛ ኮይኑ ኣሉታዊ ተራ ይፃወት።

እዚ ኣጠቓላሊ ንኽልቲኡ ባህሪ ዘተኣናግድ ከምዘሎ ኮይኑ ግን ዘይወያናይ ባህሪኡ ብጭቡጥ ጎሊሁ

ክወፅእ ዝገብር ወድዓዊ ኩነታት ድማ ገዚፍ ዩ። ዘለናሉ ፖለቲካ ኢኮኖሚ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ

ከተማታት ክራይ ኣካቢ (ፅግዕተኝነት) ፖለቲካ ኢኮኖሚ ሕዚ ‘ውን ዓብላላይ “ዩ። እዚ ንፅግዕተኝነት ዘሎ

ወድዓዊ መሰረት ብልምዓታዊነትን ዲሞክራሲዊነትን ዓብላልነት ክሳብ ዝትካእ ዘሎ ሓፂር ዘይባሃል ገዜ እቲ

ዘይወያናይ ባህሪን ናብ ገዛኢ ደርቢ ናይ ምውፃእ ድሌቱን ኣራኣእያን በብግዚኡ ብኸቢድ ዝፍትኖ ፀገም ዩ

ዝኸውን። ኣብ ርእሲ ‘ዚ ናይ ውሽጢ ውድብ ቃልስን ምትህንናፅን የዕርዩ ኣብ ዝዳኸመሉ ድማ ሻንጥኡ

ጠቕሊሉ ፅግዕተኛ ሓይሊ ኮይኑ ክወፅእ ዝገብሮ ‘ዩ። ስለዝኾነ ድማ ብጣዕሚ ዝተሓላለኸ መሰረት ዘለዎ

ፀገም ይኾን “ሉ ማለት ዩ።

እቲ ካልኣይ ወድዓዊ ምንጪ፡- ንግዕዝይናን ፀረ-ዲሞክራስን ኣብ ዘቃልዕ ወድዓዊ ኩነታት ኮይኑ

ዝሰርሕ ኣመራርሓ ምኻኑ “ዩ። ኣብ’ዚ ፅሑፍ ተደጋጊሙ ከምዝተላዕለ እቲ ናይዚ እዋን ቀንዲ ተልእኾ

ህንፀት ር/ማልነት ‘ዩ። ብርግፅ ር/ማልነት ዘይምህናፅ ሓደጋ ህልውና ስለዝኾነ ኣብዚ መድረኽ ገጢሙና

ዘሎ ብጆኖሳይድ ዝግለፅ ሓደጋ ህልውና ተነፃፂሎም ዝረኣዩ ኣይኮኑን። “ቲ ወድዓዊ መሰረት ድማ ንኹሉ

ዘገልግል ‘ዩ። ህንፀት ር/ማልነት ርእሰ ማል (ካፒታል) ናይ ምእካብን ምውህላልን ምንቅስቃስ “ዩ። እዚ

ድማ ኣብ ኩነታት ትግራይ ኣብ ምፍራይ ተዋፊርካ ርእሰ ማል ምውህላል ከቢድ ፃዕሪ ዝሓትት ስለዝኾነ

ሃፍቲ ዝእክብ “ቲ ዝቐለለ መንገዲን ኣማራፂን ብግዕዝይናን ፀረ ሕጊ ተግባራትን ኣብ መንግስቲ ተፀጊዕኻ

ብዝፍፀም “ዩ።

ካብ ሕጊ ወፃኢ ብግዕዝይና ብኣቋራጭ ሃፍቲ ናይ ምእካብ ድሌት ኣማራፂ ዝኾነሉ ካሊእ ምኽንያት

“ውን “ሎ። ኣብ ክልልና ንግዕዝይናን ብዘይሕጋዊ መንገዲን ንምኻድ ዝተማዓራረየ ቡዙሕ ነገራት ሎ።

ሕፅረት ሸቐጣት ገፊሕ ‘ዩ። ንኣየር ብኣየር ንግዲ ዓብይ ዕድል ይህብ። ልዑል ድኽነት ኣብዘለዋ ክልልና

መንግስቲ ዘንቀሳቕሶ ገንዘብ ሃፍቲ ቡዙሕ ‘ዩ። ሃፍቲ ኣብ ዙርያ መንግስቲ ‘ሎ። በቲ ሓደ ወይ በቲ ካሊእ

13

ሃገራዊ ሓይሊ ለይትን ቀትርን ዝረባረበሉ እዋን ምዃኑ። ካልኣይ ኣብ ብሄርና ዝተኻየደ ናይ ጆኖሳይድ ኵናት

“ውን ግዕዝይናን ፀረ-ዲሞክራስን ብዘጠናኽር ተፅዕኖ ፈጢሩ ዩ። እቲ ኵናትን ኵናት ዝፈጠሮ ዕፅዋን ከበባን

“ዚ ዘምፅኦ ሕፅረታት ተጠቒሞም ብግዕዝይናን ፀረ ሕጊ ተግባራትን ከምኡ ውን ብወራርን ብጉሕለትን

ኣቢሎም ዝቐልዐሙ ፅግዕተኛታት ኣብ ትግራይ ተፈጢሮም “ዮም። ግዕዝይናን ፀረ-ዲሞክራስን ኣብ ትግራይ

ክጠናኸር ተወሳኺ ሓዱሽ ናይ ፅግዕተኛ ዓቕሚ ኮይኑ ወፂኡ “ዩ።

ሳልሳይ ወድዓዊ ምንጪ፤- ህወሓትን ኣመራርሕኡን እንካብ ማሕበራዊ መሰረቱ ገፊሕ ተነፃፃሪ ነፃነት

ዘለዎ ሓይሊ ምዃኑ “ዩ። ህወሓት ኣብ ትግራይ ተሃኒዑ ዝፀንሐ ስርዓት ናይ ምቕፃል ስራሕ እንተይኮነ

ተልእኹኡ ኣብ ትግራይ ዘይነበረ ሱር በቆስ ልምዓታዊን ዲሞክራሲያዊን ለውጢ ዘምፅእ ሓዱሽ ስርዓት

ንምህናፅ ‘ዩ። ነዚ ተልእኾ “ዚ ቀንዲ ፈፀምቲ ማሕበራዊ መሰረት ዝኾንዎ ሓይሊታት ገባር፣ ሸቃላይን

ንኡስ ወናኒን ዳርጋ ናይቲ ሕ/ሰብ ትግራይ ልዕሊ 95% ዝኾኑ ወየንቲ ደርቢታት ኣብ ልምዓትን ዲሞክራስን

ገፊሕን ዓሚቕን ምንቅስቓስ ኣትዮም ተለዊጦም፣ ዓበይቲ ዓቕሚታት ፈጢሮምን ነንባዕሎም ቡርቱዕ

ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ምትእስሳር ሓይሊ ፈጢሮም ንህወሓት ነፃ ተፅዕኖ ክፈጥሩ ዝኽእልሉ ብርኪ

መድረኽ ክሳብ ዝበፅሑ እቲ ተበግሶ ካብ ህወሓትን ኣመራርሕኡን’ዩ።

እዚ ማለት ናይዞም ማሕበራዊ መሰረት እጃም ኣብ ምሕላው ባህሪ ህወሓትን ኣመራርሓን ጠንካራ

ዘይኮነ፣ ብዝተፈለየ ኣጋጣሚታት ውን ድኹዒ ንፅግዕተኛ ምብስባስ ናይ ምዃን ሓደጋ ክሓወስ ዝኽእል

“ዩ። ካብዚ ኣንፃር ቀሊል ዘይብሃል ጉዕዞ ህወሓትን ኣመራርሕኡን ኣብ ባዕሉ ብባዕሉ ብዝገብሮ ቃልስን

ምንቅስቓስን “ዩ ዝምስረት። ነቶም ማሕበራዊ መሰረቱ ኣብ ዘየቋርፅ ቃልሲ፣ ለውጢን ምዕባለን ምትእስሳርን

እንተእትይዎም፣ ናብ ዓሚቕ ዴሞክራሲያዊ ቃልስን ተሳትፎን እንተእትይዎም ህዝባዊ ባህሪ ናይቲ ኣመራርሓ

ኣብ ምሕላው ቁልፊ ሓይሊታትን ሓፁርን ይኾኑ። ነቲ ውድብ ነቲ መሪሕ እናፀርዩ እናገርሑ ይወስድዎ።

ህወሓትን ኣመራርሕኡን ኣብ ዝጥምብወሉ እዋን ድማ ተማላሊእዎም ናብ ሓደጋ ናይ ምእታው ኩነታት

ይዓቢ። ስለዝኾነ ናይ ህወሓትን ኣመራርሕኡን ህዝባዊ ባህሪ ናይ ምዕቃብ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ውድብን

ኣመራርሓን ብዝካየድ ቃልሲ ይኸውን። በዚ ምኽንያት ህወሓትን ኣመራርሕኡን ዝፃወቶ ተራ ፍሉይን ናይቲ

ቃልሲ ቀንዲ መድረኽን ቀንዲ ትሕዝቶ ቃልስን ኣብ ውሽጢ ውድብ ይኾን። ቃልሲ ውሽጢ ውድብ ክሳብ

“ቲ ዝተባህለ እዋን በስቢሱ ክጠፍእ ወይ ድማ ዲሒኑ ክግስግስ ዝውሰን “ዩ። ብኣጠቓላሊ ኣብናይ ፈለማ

ቀሊል ዘይብሃል ጉዕዞ ነዚ ሓይሊ ንዓ ተመለስ ኢሉ ሲሚንቶ ኮይኑ ምስ መሬት ዘላግቦ ማሕበራዊ መሰረት

ጠንኪሩ ኣብዘይወፀሉ ብዝሓዛ ስልጣን ናብ ፅግዕተኛነት ክሰጋገር ዝገብሮ ሓደጋ ዘለዎ “ዩ።

ባዕላዊ ምንጪታት:- ባዕላዊ ምንጪታት ምብስባስ ውድብና መሰረቱ ንሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስ መፍትሒ

ተባሂሎም ዝተቐመጡ ናይ ቃልሲ ኣንፈታት ብዘይምትግባርን ኢሉ’ውን ኣብቶም ብቓልሲ ክውገዱ ዝተነፀሩ

ሕመቓት ክስፍሑን ክዓምቁን ብምግባር ዝግለፅ ምንጪ ምብስባስ “ዩ። ድሕሪ ናይ 1993 ዓ/ም ተሃድሶ

15

ህወሓት እንካብ ዘመዝገቦ ዝለዓለ ዓወት ናይ መስመር ኣብ እንተይነት ስርዓትና፣ ናይ ስርዓትና ቁልፊ

ሓደጋ’ ምንጩን መፍትሑን ብዝምልከት ዩ። ቅድሚ 1993 ዓ/ም እንታይነት ናይቲ ጉዕዞ ሓደጋን

መፍትሒታቱን ዝተነፀረ ስለዘይነበረ ኣብ ከቢድ ደንበርበርን ድርዕቶ ኣራኣእያን ኣትዩ ኣብ ዕንክሊል ኔሩ።

ድሕሪኡ ግን ሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስ ዝምከተሉ መሰረታዊ ናይ ቃልሲ ኣንፈታት ተቐሚጦም “ዩም።

ድሕሪ ‘ዚ ዘሎ ከይዲ ነቶም ኣንፈታት ክንዲ ምንታይ ነኺስና ተቓሊስና ‘ዩ እቲ ጉዳይ። ብምዃኑ ውን

ሕዚ ኣብ ውድብናን ኣመራርሓናን ገጢሙ ዘሎ ሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስ እቲ ወድዓዊ ኩነታት ናይ ባዕሉ

ዓብይ ብፂሒት ኳ እንተሃለዎ ብቐንዱ ግን ነቶም መመከቲ ኣንፈታት ብዘይምፍፃምና ዝመፀ ሕመቕ ‘ዩ።

ስለዝኾነ ድማ ቀንዲ ፀገም ናይቲ ምብስባስ ምንጪ ባዕላዊ “ዩ።

እቶም ሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስ መመከቲ ተባሂሎም ዝተነፀሩ መሰረታዊ ናይ ቃልሲ ኣንፈታት

ኣብ ውሽጢ ውድብ፣ መንግስትን ህዝብን ተባሂሎም ዝተቐመጡ ብምዃኖም በቢመዳዮም ብሓፂር ብሓፂር

ምርኣይ ከድሊ “ዩ።

ውሽጢ ውድብ ቃልሲ፦ ሓደ ንቓልሲ ፅግዕተኛ ምብስባስ ዝለዓለ ቦታ ተዋሂብዎ ዝተቐመጠ ውሽጠ ውድብ

ቃልሲ ናይ ምሕያል ጉዳይ ‘ዩ። ኣብዚ ውሽጢ ውድብ ቃልሲ 4’ ነንባዕሎም ብጥብቂ ዝተኣሳሰሩ ነጥብታት

መልዐሊ ጌርና ክረኣ ዝኽእል ዩ። ቅድሚ ኹሉ ዝተቐመጠ ኣንፈት ቀዲሙ ከም ዝተለዓለ ማእኸል ናይቲ

ደርባዊ ቃልሲ መድረኽ ውሽጠ ውድብ ምዃኑን ናይ ሞትን ሕዮትን ከም ዝኾነን ዘቕምጥ ኣንፈት ዩ። ነዚ

ኣንፈት መሰረት ዝገበረ ቃልሲ ድሕሪ ተሃድሶ 1993 ዓ/ም ኣብ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ብዝሐሸ

ተሰሪሕሉ ህወሓትን ኣመራርሕኡን ኣብ ህዝቢ ትግራይ ርኡይ ኩለ-መዳያዊ ለውጢታት ዘምፃኣሉ እዋናት

ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ምባል ይካኣል ግን ሓልሓሊፉ ከምዚ ናይ 2010ዓ/ም ዝበለ ብዕምቆት

ምህዳስ ምስ ዓበይቲ ድኽመታቱ ትርጕም ዝነበሮ ስራሕን ቃልስን ብኣጠቓላሊ ህወሓት መድረኽ ውሽጢ

ውድብ ደርባዊ ቃልሲ ማእኸል ምዃኑ እናተዳኸመ ዩ መፂኡ። ሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስ ኣብ ውሽጢ

ውድብ ብዕምቆትን ስፍሓትን እናተገምገመ በብግዚኡ በቲ ዝተራኣያሉ ትሕዝቶን መልካዓትን መሰረት ዝገበረ

ተኸታታሊ ቃልሲ ኣይነበረን። መሰረታዊ ናይ ገምጋም ትሕዝቶን ገምጋም ባዕሉ ምግባርን ብዓብይኡ

እናተዳኸመ ዩ መፂኡ። ኣብዚ ቃልሲ ዝዓበየ ቦታ ዘለዎም ኣወዳድባታት እቲ ውድብ፣ ጉባኤ፣ ማእኸላይ

ኮሚቴን ፈፃሚ ስራሕን ካልኦት ትካላቱን መስርሒ ውዕይ ደርባዊ ቃልሲ ምዃኖም የዕርዮም እናተዳኸሙ

“ጾም መፂኦም። ብኣጠቓላሊ ዘይምቅልላስን በለፅን እናገንገነ ዩ መፂኡ።

ካልኣይ:- ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኣንፈት ተገይሩ ዝተቐመጠ ምስቲ ደርባዊ ቃልሲ ዝመጋገብ ናይ ውሽጢ ውድብ

ዴሞክራሲን ናይ ኣማሓድራ ስርዓት ምስፋሕን ምዕሟቕን ‘ዩ። እዚ እንትፍጠር ኣመራርሓን ኣባልን ብነፃነትን

ግልፅነትን ከምድላዩ ስለዘቃለስ ንግዕዝይናን ፀረ ዴሞክራስን ኣራኣያታትን ተግባራትን ብምቅላስ ናብ ገዛኢ

ደርቢነት ዝግበር ጕዕዞ ክዓግት ዝገብሮ ዩ። ይኹን ምበር ናይ ውሽጢ ውድብና ዴሞክራስን ናይ ግልፅነት

16

ኣሰራርሓን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዳኸመ ፀረ ዴሞክራሲ ‘ዩ እናገፍሐ መፂኡ። ህወሓት ኣብ ውሽጢ ናይ

ኣባላቱን ኣመራርሕኡን ተሳትፎን ግልፂነትን ኣካይዳን ኣሰራርሓን እናተሓተ፣ ሓበሬታታት ብስርዓትን

ተኸታታልን ዘይረኽብሉ፣ ስትራተጅያዊ ጉዳያትን መሰረታዊ ውሳነታትን ብሰፊሕን ዓሚዩቕን ምይይጣትን

ክትዓትን ከይተገብረሎም ዝውሰንሉ መሰረታዊ ትካላት ውድብ ናይ ውሰነታት ማእኸል ዘይኾንሉ ኣብ ፀቢብ

ሓይሊን ዓንኬልን ዝሕፀረሉ፣ ናይ ኣባላትን ኣመራርሓታትን ምሕደራን ምውፋርን መሰልን ጉቡኡን

ዝተፈላለየ ሽግራት እናተራኣየሉ ዝመፀ “ዩ።

ሳልሳይ፦ ኣገዳሲ ዝተነፀረ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ገፊሕን ዓሚቕን ፖለቲካዊ ህንፀት፣ ዕለታዊን ፖለቲካዊን

ሰነ-ሓሳባዊን ኣስተምህሮን (indoctrination) ቃልስን ምክያድ ዝምልከት ዩ። ‘ዚ ኣባላትን ኣመራርሓን

ፖለቲካዊ ስብእነኦም ተሓሊዩ መቃለሲ ዕላምኦም ዝፈልጡን ብዕምቆት ዝርዱኡን ማዓልታዊ መምርሒኦም

ብምግባር ንሓደጋ ፅግዕተኛነት ዝቃለስሉ ሙሉእ ዕጥቂ ብቐፃሊ ብምዕጣቕ ‘ቲ ውድብ ናይ ተቓለስቲ ውድብ

ዘግብር ኣሰራርሓ ‘ዩ። በዚ መዳይ ድሕሪ ተሃድሶ ዝሐሸ ክበሃል ዝካኣል ናይ ህንፀትን ኣስተምህሮን ስራሕቲ

ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ውፅኢት ዘምፅኡ ስራሕቲ ተካይዶም እዮም። ኣብ ጭቡጥ ናይ ልምዓትን

ዴሞክራስን ናይ ሓፋሽ ምንቅስቓስ ኣትዩ ክፀሪ፣ ክበቅዕን መራሒ ህዝቢ ክኾን ዝኻኣለ ቀሊል ቁፅሪ

ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ካብ እዋን ናብ እዋን ናተዳኸመ ዩ መፂኡ ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ኣመራርሓን ኣባልን

ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ምልመላ “ዩ። ውድብና ኣባላት ብዕሬት ናይ ምምልማል መስርሓቱ እንዳሓመቑ መፅዮም

ዩም። ቡዙሕ ዝቃለስ እንተይኮነስ ተፀጊዑ ረብሓታት ምንዳይ ማእኸል ዝገበረ፣ ብቕዓቱ ተኽእሉኡን

ውግንንኡን ድኹም ዝኾነ፣ ብማሕበራዊን ዖታዊን ዝንቕ ፀገም ዘለዎ ከምኡ ውን ሓዱሽን ነባርን እጃም

መናእሰይን ብደንቢ ዘየገናዘበ ምልመላታት እናኾነ መፅዩ።

ዕለታዊ ህንፀት ውሽጢ ውድብ ካሊእ ኣገዳሲ መዳዩ ማዓልታዊ ምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ሂይወት

ኣመራርሓን ኣባላትን ዝምልከት ዩ። ‘ዚ ስራሕ ‘ቲ ውድብ እንካብ ምጥንባው ኣውፂኡ ውዕይ ናይ ቃልሲ

ምትህንናፅን ሂይወትን ሃሊይዎ በቢዕለቱ ፅግዕተኝነት ንምቅላስ ዘኽእል ኣሰራርሓ ‘ዩ። ኣገደስቲ መሳርሒታት

ድማ ናይ ውድብ ልሳንን መፅሄትን፣ ገምጋማትን ምንቕቓፋትን፣ ሰፋሕቲ ውድባዊ መድረኻትን ዝመሳሰሉ

ዩም። ልሳንን መፅሄት ውድብና ሓንሳብ ንእሽተይ ዝትስእ ካሊእ ግዜ ዝጠፍእ፣ ብትሕዝቶን ብኣቀራርባን

ቡዙሕ ፀገማት ዝራኣየሉ፣ እቲ ዝርካቡ ድማ ተመሪሑ መማያየጥን መህነፅን ኣብ ምግባር ፀገማት ዘለውዎ

እናኾነ ዩ መፂኡ። ገምጋማት ምንቕቓፋት ውን ብተመሳሳሊ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተዳኸመ ዝመፅሉ፣

በቲ ሓደ ገፅ ከም ኣሰራርሓ ግዚኦም ዝሓለፎም ዘየድልዩ ጌርካ ዝራኣየሉ፣ በቲ ካሊእ ገፅ ኣብ ዝካየደሉ

ድማ ኣይገምጋም ኣይምንቕቓፍ እናተሓዋውሰ ሃናፃይ ተራ ዘይፃወተሉ፣ ትሕዝቶኦም ውን ካብ መሰረታዊ

ነገራት እናወፁ ኣብ ጭብጢ መረዳእታ ዘይተመስረተ ኣብ ጭቕጭቕን ንትርኽን ውልቀ ሰባት

ዝተኣናጋደሎም ናይ ምጥቃዕን ምክልኻልን ናብ ምዃን እናሰገሩ ዮም መፂኦም።

17

ውድባዊ መድረኻት ህንፀት ብዝዓበየ ብጉባኤታት፣ ኮንፈረንሳትን ሰሚናራትን መሰረት ብምግባር

ናይ ውድብ መርገፂታት፣ ውሳነታትን እዋናዊ ኩነታትን ዝፍተሸሉ፣ ዝምዕብለሉን ዝፀድቅሉን ከምኡ’ውን

ናይቲ ውድብ ምንቅስቓስ ዝግምገመሉን ተሞክሮታት ዝውሰደሉን መድረኻት ኮይኖም ዘገልግሉ ካብ እዋን

ናብ እዋን እናተዳኸሙ ዝመፁ ‘ዮም። ኣጀንዳታት እናተነፀሩ ፅሑፋት ናተዳለው በብግዚኡ ስሩዓት

ፕሮግራማት ተዳሊይሎም ዝኸዱ ኣይኮነን። ናይ ኣስተምህሮ (ኢንዶክትሪኔሽን) ስራሕቲ ንኹሉ ውሽጠ

ውድብ ስራሕቲ ቁልፊ መበገሲ ዝኾነ ኣብ ናይ ውድብ መስመራት፣ ስትራተጂታትን ስልቲታትን ናይ

ኣሰራርሓ መምርሕታትን …ወዘተ ኣመራርሓን ኣባልን ዕምቆት ዘለዎ ፍልጠትን ኣራኣእያን ንምግባር፣ በቲ

ኻሊእ ገፅ ድማ ንውድብን ህዝብን ዘገልግል ናይ ኣመራርሓ ጥበብ ክመልኩ ንምግባር ዕዑቑን ዘየቋርፅን

(intensive & relentless) ስራሕቲ ምፍፃም ብዝምልከት ብዓብይኡ እናተጓደለ “ዩ መፂኡ። ነዚ ዘድሊ

ቀዋሚ ናይ ስልጠናን ትምህርትን ኣመራርሓ ቤት ትምህርቲታት፣ ናይ መፅናዕትን ምርምርን ማእኸል፣ ናይ

ፖለቲካን ስነ-ሓሳብን ማእኸል፣ ነዚታት ዘድሊ ኣወዳድባን ትካላትን ዳርጋ የለን። ስሩዕ ናይ ኣመራርሓ ናይ

ካድረ ስልጠናታት እናተቋረፀ “ዩ መፂኡ።

ኣብ ህንፀትን ዴሞክራሲያዊ ህይወትን ኣመራርሓ ኣጠናኺርካ ፅግዕተኛ ምብስባስ ኣብ ምቅላስ

ትርጉም ዝነበሮ ብስልጠናን ገምጋምን ጥራሕ ዘይፍታሕ ጉዳይ ወድብ ዘይገበሮ ድማ ናይቲ ኣመራርሓ ናይ

መሃያ፣ ጥቕማ ጥቕሚን ማሕበራዊ ውሕስናን ብዝተፀንዐን ማዕበላይ ብዝኾነ ቐዋሚ ኣሰራርሓን ኣይተመለሰን።

ሓደጋ ናይቲ ስርዓት “ታይ ከምዝኾነ ምስ ምንፃር ተኣሳሲሩ ብውድብ ደረጃ ክንፀሩ ካብ ዝግበኦም ሓደ

ጉዳይ ግን “ዚ ክኾን ኔርዎ። ኣብ’ዚ ዝተነፀረ ህንፀት ር/ማልነት ንባዕልኻ ከም ሽምዓ እናነደድካ ሚልዮነራት

ፍጠር ዓይነት ጥራሕ ክኾን ኣይነበሮን። ውልቃዊ ናብራን ውሕስነትን ማሕበረሰባዊ ተልእኾን ኣመራርሓ

ዘፈፅም ምስቲ ምዕባለ ኢኮኖሚ ዝምዕብል ናይ ኣመራርሓ ወድዓዊ ናብራ ዘመሓይሽ ናይ መሃያን ጥቕማ

ጥቕምን፣ ትምህርቲ፣ ሕክምናን መንበሪን ካብ ሓላፍነትን ኣመራርሓን ምስተሰናበተ ዝህልዎ ረብሓታት

ብዝምልከት… ወዘተ ንፁር ዝተዘርገሐ ስርዓት ተገይሩ ንምህፍታም እንተይኮነስ ናብራ ውሕስ ብምግባር

ካብዚ ወፃኢ ዝኸይድ ድማ ቀይሕ መስመር ተቐሚጡ ብዘይምሕረት ዝቕፅዓሉን ዝእለየሉን ስርዓት ብደንቢ

ኣይተፈጠረን። “ዚ ምስ ኣስተምህሮ፣ ስልጠናታትን ገምጋማትን ከም ፓኬጅ ተኣሳሲሩ ክረኤ ዝነበሮ ዝጎደለ

ኣገዳሲ መዳይ ‘ዩ።

ራብዓይ:- ኣብ ቃልሲ ፀረ ምብስባስ ብኣገዳስነቱ ዝተቐመጠ ኣንፈት ናይ ውሽጢ ውድብ ቃልሲ ምስቲ ናይ

ሕ/ሰብ ቃልሲ ተኣሳሲሩ ናይ ምኻድ ጉዳይ ‘ዩ። ቃልሲ ውሽጢ ውድብ እንካብ ናይ ህዝቢ ሕቶታትን

ኣጀንዳን ኣብ”ዚ ዝተመስረተ መፍትሒታትን ወፃኢ ካሊእ ትሕዝቶን መልክዕን ክህልዎ ኣይኽእልን። በዚ

መንገዲ ዚ ቃልሲ ውድብን ሕ/ሰብን ተኣሳሲሩ እንትኸይድ ፅግዕተኛ ምብስባስ እናደረቐ ዝኸይድ ይኸውን።

እዚ ኮይኑ ግን ናይ ውሽጢ ውድብ ቃልሲ ኣብ ላዕሊ ከም ዘተቐመጠ መሰረታዊ ፀገማት እናተራኣየሉ ዝመፀ

18

“ዩ። ኣብቶም ቀንዲ ጉዳያት ናይ ህዝቢ ኣጀንዳታት ዘተኣሳስርዎ ገመዳት እናላሕለሐ ኣመራርሓ ካብ ህዝቢ

እናራሓቐ፣ ናይ ውድብ ቃልሲ ካብቲ ኣብ ሕ/ሰብ ዝረኤ ፀገም እናወፀ ስለዚ ድማ ብናይ ባዕሎም ተበግሶ

ዘይንቀሳቐሱ ሕ/ሰባዊ ክፍሊታት እናዳኸመን እዚ ምድኻም ‘ዚ ድማ ተመሊሱ ነቲ ናይ ውሽጢ ውድብ

ቃልሲ ዘዳኽመሉ ብኣሉታ ዝተመጋገበ ናይ ዕንክሊል ከይዲ “ዩ ቦታ እናሓዘ መፂኡ።

ልምዓታዊ ዴሞክራሲያዊ መንግስቲ:- ልምዓታዊ ዴሞክራሲያዊ መንግስቲና ሓደ መሰረታዊ መግለፂኡ

ቃልሲ ፀረ-ፅግዕተኛ ምብስባስ “ዩ። ተልእኾ ልምዓታዊ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ክፍፀም ናይ ውድብ፣

መንግስትን ህዝብን ቃልሲ ተኣሳሲሩ ክጉልብት፣ ናይ ልምዓት፣ ዴሞክራስን ስራሕቲ ህዝቢ ብዝርበሐሎም

በቲ ዝበለፀ ቅልጣፈን መጠን ዕብየትን ከረጋግፅ በዚ ዝመፅእ ለውጢ ናይ ፅግዕተኝነት ፖለቲካ ኢኮኖሚ

ብልምዓታዊነት እናተተክአ ፅግዕተኝነት መሰረቱ ዝፈርሰሉ ተልእኾ ዝተሸከመ “ዩ።

በዚ ኣንፃር ልምዓታዊ ዴሞክራሲያዊ መንግስቲ ብሄርና ብውድብ ህወሓት ናተመርሐ ርኡያት ክበሃሉ

ዝኽእሉ ምዕባለታት ኣብ ሰላም፣ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ልምዓት ከምኡ ውን ዴሞክራስን ኣምዝጊቡ ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ኣብ ብዙሕ መዳያት ተረባሒ ጌሩ “ዩ። እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ ግን ልምዓታዊ

ዴሞክራሲያዊ መንግስትና ከም ቁልፊ መቃለሲ በቲ ዝድለ ተጠቒምናሉ ዝበሃል ኣይኮነን። ውድብና ኣብ

መረፃ ስዒሩ ዝሓንፀፆም ፖሊሲታት ሒዙን ዘርዚሩን ገፊሕ ናይ ዓቕሚ ህንፀት ኣብ መሓውርን ህዝብን

ሰሪሑ፣ ነዚ ዘድሊ በጀት መዲቡ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ቀሊል ዘይበሃል ውስንነት ዝነበሮ “ዩ። ተራ

መንግስቲ ኣብ ምምሕድዳራዊን ቢሮክራሲያዊን ጉዳይ ናይ ምውሳን “ዚ ውን ብብዙሕ ሽግራት ዝተሓፀረ

ኮይኑ ዝቐፀለ “ዩ።

ምርግጋፅ ሰናይ ምምሕድዳር ብገፋሕትን ዓሙቕትን ፀገማት ዝተሓዐረ “ዩ። ፃምእ ሰናይ ምምሕድዳር

ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም “ሎ። ንህዝቢ ዝዋሃብ ኣገልግሎት ኣብ ከቢድ ማሕንቓት ምጉታት፣ ጉቦን ኣድልዎን

ዝኣተወ “ዩ። ምውፋር ሃፍትን ቃልሲ ፀረ-ግዕዝይናን ትርጉም ዘለዎ ርሕቐት ኣይከደን። ሓደጋ ፅግዕተኛነት

ንምምካት ብደረጃ መንግስቲ ብቡዙሕ መዳያት (Comprehensively) ስርዓት ዘርጊሑ ዝበሃል ኣይኮነን።

ሃፍቲ ህዝቢ ብስርዓት ዝማሓደረሉ ግዕዝይና ዝምከተሉ ብደንቢ ዝተፀንዑ ናይ ኣሰራርሓ መምርሒታት ፀረ-

ግዕዝይና ትካልን ዓቕሚ ቴክኖሎጅን ናይ ምጥቃም ጉዳይ ቀንዲ ናቑጣታት ግዕዝይና ምልላይ፣ ናይ ውሳነ

ነጥቢታትን ናይ ኣገልግሎታት ቅርበትን ነዚ ግምት ዝሃበ ናይ ሰብ ሓይሊ ስቪል ሰርቫንት ህንፀትን ምውፋርን

ተኻይዱ ዝበሃል ኣይኮነን።

ዴሞክራሲ፣ ፍትሕን ፀጥታን ህዝቢ ዘተኣማምን መሰረት ክህልዎ ንኹሉ ምንቅስቃሱ ውሕስና

ክረክብ ናይ ምግባር ጉዳይ፣ ዴሞክራሲያዊ ሕግታትን ሕገ-መንግስትን ክትግበር ኣብ ምግባር ነዚ ዘዕንቅፍ

ኣብ ምቅላሱ፣ ዴሞክራሲያዊ ትካላት እናተጠናኸሩ ክወፁ ኣብ ምግባር ዓበይቲ ጎደሎታት ዝተራኣይሉ “ዩ።

19

ናይ ትግራይ ናይ ፍትሒ ስርዓት መሰረታዊ ሽግራት ዘለዎ “ዩ። ኣብ ሰሌጠን፣ ፍትሓዊነትን ነፃነት ንሕጊ

ጥራይ ተገዛእቲ ክኾኑ እናተገበኦም ንስሚዒቶምን ጅቦኦምን ተገዛእቲ ዝኾኑ ውሕዳት ኣይኮኑን። በቲ ካሊእ

ገፅ ኣብ ናይ ምምሕድዳር ተፅዕኖ ዝወደቑ ውን ውሕዳት ኣይኮኑን። ፀጥታን ድሕንነትን ህዝቢ በብገዚኡ

ኣብ ከቢድ ፈተና ዝወደቐሉ ውሕድ ኣይኮነን። መሓውር ፀጥታ ብቕዓት፣ ተኽእሎን ዘይፅሬትን ብዘሎ

ከቢድ ፀገም፣ ናይ ተወፋይነትን ሞያዊ ብቕዓትን ጉድለት ገበነኛታት ከም ድላዮም ዝገብርሉ ገፊሕ ‘ዩ።

መሓውር ፀጥታን ሕ/ሰብን ተኣሳሲሮም ‘ቲ ስራሕ ህዝባዊ ዝኾነሉ ወሳኒ ጉዳይ ካብ ፈተነ ዝዘለለ ኣይኮነን።

እንካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘለው ኣጠቓላሊ መሓውራት በቲ ሓደ ገፅ መንግስትን ውድብን ኣብ

ነናይ ባዕሎም ንፁር ተልእኾታት ኮይኖም ናብ ሓደ ውሕጅ ኣብ ክንዲ ምምፃእ “ቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ ቲ

ኻሊእ ዝድረብን ነፀርታ ዕማማት ዓብይ ጉድለት ብምህላው መንግስትን ውድብን ዝተሓዋወሰሉ፣ ሚዛን

ስልጣን ፈፃሚ፣ ባይቶን ዳይነትን ዝተዛብዐ ዝኾነሉን ኣብቲ መሓውር ሲቪል ሰርቪስ ውን ናይ ሞያን

ፖለቲካን ምዝባዕ ዝመሳሰሉ ፀገማት፣ በቲ ኻሊእ ገፅ ድማ ነናይ ደረጅኡ ዘለው ናይ መንግስቲ ምምሕድዳራት

ብግልፂነት፣ ተሓታትነትን ብዝተቐመጠ ሕግን ናይ ኣሰራርሓ መምርሒን ኣብ ምኻድ ዓበይቲ ጎዶሎታት

ዝራኣየሉ ንህዝቢ ብጉቡእ ዘየግልግልን ኣብ ሰናይ ድሌቱ ዝንቀሳቀስን ልዕሊ ህዝቢ ዝኾነን ውን ውሑድ

ኣይኮነን።

ህዝቢ ስራሕቲ፡- ፀረ-ምብስባስ ኣንፈት ቃልስና ናይ ውሽጠ ውድብ፣ ልምዓታዊ ዲሞክራሲያዊ መንግስትን

ህዝብን ብጥብቂ ተኣሳሲሮም ክፍፀም ብግልፂ የቕምጥ። ብሓፈሻ ህዝቢ ኣብቲ ልምዓት፣ ሰላምን ዲሞክራስን

ስራሕቲ በዓል ዋና ኮይኑ ብውድቡን መንግስቱን እናተመርሐ ኩሉ-መዳያዊ ወፍርን ምንቅስቓስን ዝገብር

ዘሎ ህዝቢ “ዩ። ‘ዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ናይ ህዝቢ ስራሕትና መዳይን ናይ ምትእስሳሩ ተፅዕኖን ምርኣይ የድሊ።

ብመቃለሲ ኣንፈት ብርኪ እቲ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ምስ ውሽጢ ውድብ ቃልሲ ዘለዎ ምትእስሳርን ተፅዕኖን

“ዩ። ናይ ውሽጢ ውድብ ቃልሲ ኣብ ላዕሊ ብዝተገለፀ መሰረት እናተዳኸመ ስለዝመፀ ነቲ ናይ ህዝቢ

ስራሕቲና ዓብይ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ፈጢሩሉ “ዩ። ስለዝኾነ ብመስርሕ ጉድለት ቃልሲ ውሽጠ ውድብን

ስራሕቲ ህዝቢን ምድኻም ስራሕቲ ህዝቢ ተመሊሱ ንውሽጠ ውድብ ቃልሲ ብኣሉታ ዝተመጋገበ ውፅኢት ዩ እናርኣየ መፂኡ።

ናይ ህዝቢ ስራሕትና ከይዱ ከይዱ ክልተ መሰረታዊ ጉዳያት ንምምላእ ዩ። ብኢኮኖሚ ቁልጡፍ

ምዕባለን ተጠቓሚነትን ስለዚ ድማ ጥንኩር ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ኣብ መንጎ ገባር፣ ገጠር ከተማ ምፍጣር።

ካብ ፖለቲካዊ ድማ ናይቲ ፖለቲካዊ ስልጣን በዓል ዋና ብምዃን ገፊሕን ዓሚዩቕን ቀጥተኛ ዲሞክራሲያዊ

ተሳትፎ ምሕያልን ምእንተ ዚ ድማ ናይ ነፃ ማሕበራት ውዳበን ቃልስን ምጥንኻር። በቲ ኢኮኖሚን ፖለቲካን

ዝፍጠር ዓቕሚ ኣቢልካ ሚድያ ውን ሓዊስካ መንግስትን ውድብን ዝቆፃፀር ዝገንሕ ውዱብ ህዝቢ ብምፍጣር

ቃልሲ ፀረ-ፅግዕተኝነት ህዝባዊ መሰረት ክህልዎ ምግባር ‘ዩ። በዚ መሰረት ብኣንፃር ቁልጡፍ ልምዓትን

20

ምትእስሳርን ዝተመዝገበ ለውጢን ምዕባለን ዓብይ “ዩ። ነገር ግን ኮሞርሻላይዝ ዝኾነ ገባር፣ ሃፍታም ገባር

ብምፍጣርን መራሒ “ቲ ገጠር ይኹን ከተማ (ታሕተዎት ኣወዳድባታት) ብምግባር ኣንፃር ዝተኸየደ ርሕቐት

ውስን ‘ዩ። ናይ ሃፍታም ገባር ስትራተጂና ውን ብደንቢ ተገምጊሙ ዘለዎ ብርኪ፣ ምዕባለን ፀገማቱን

ዝተራኣየ ኣይኮነን። ኵናት ጆኖሳይድ ኣብቲ ገጠር ልምዓት ብፍላይ ኣብ ሃፍታም ገባር ፈጢርዎ ዘሎ ተፅዕኖ

ገና ክግምገም ዘለዎ “ዩ። ስለዝኾነ ናይ ኮሞርሻላይዝድ ገባር ምንቅስቓስ ገና ‘ዩ።

ፖለቲካዊ በዓል ዋናነት ቀጥተኛ፣ ዓሚቕ ዲሞክራሲያዊ ተሳትፎን ናይ ነፃ ማሕበራትን ምንቅስቃስን

ተፅዕኖን ብዝምልከት ዲሞክራስን ዲሞክራሲያዊ ተሳትፎን ምርግጋፅ ሰብኣዊ መሰላትን ብድምር ናይ ትግራይ

ፖለቲካዊ ምህዳር ዝተቐየረን ኣብ ከይዲ ምዕሟቕ ዲሞክራስን ዘሎ “ዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ውን

ዝተወደበን ዘይተወደበን ተሳትፎ ዘሎ “ዩ። ይኹን ‘ምበር እንካብ ነዊሕ ግዜ ውን ትርጉም ዘለዎ ለውጢ

ዘየምፅአ ዝተወደበ ናይ ነፃ ማሕበራት ተሳትፎን ምንቅስቓስን ዝምልከት ዩ። ገዛኢ ውድብን መንግስትን

ኣብ ሓቀኛ ረብሐኦም ተደሪኾም ዝቆፃፀሩን ዝገንሑን ነፃ ማሕበራት ገና ኣየጥረናን። ብርግፅ ዚ ምስቲ ኣብ

ኢኮኖሚ ዝመፅእ ኮሞርሻላይዜሽንን ዕብየትን ስዒቡ ዝመፅእ ምትእስሳርን እናተዛመደ ዝኸይድ ‘ዩ። ‘ዚ

ፖለቲካዊ ውዳበ ‘ውን ግን ብነፃነት ጎልቢቱ ክወፅእ ምኻኣለ። ንምንታይ ‘ዩ ኣብ ዚ ለውጢ ዘይዕፀ ምስቲ

ቀፃሊ ናይ ምትዕርራይ መደብ ብዕምቆት ገምጊምካ ክልወጥ ዘለዎ “ዩ። ኣብዚ ለውጢ እንተይመፀ ዝዕገት

ፅግዕተኛ ምብስባስ “ውን ኣይህሊን።

መደምደምታ፡- ወድዓዊን ባዕላዊን ምንጪታት ፅግዕተኛ ምብስባስ ብዝርዝር ቀሪቦም ኣለው። ናይ ክልቲኡ

ጉዕዞ ጥማር ውፅኢት ብፍላይ ድማ ድኽመታት ባዕላዊ ምንጪ ውድብና ናብ ገፊሕን ዓሚቕን ሕመቕ

ፅግዕተኛ ምብስባስ ኣትዩ ‘ሎ። ብመስመርን ብኣራኣእያን ደረጃ እንታይነት ሓደጋ ስርዓት፤ ምንጩን ንፁር

መፍትሒታቱን ኣብ ዝተቐመጠሉ ኣብ ዙርያ መፍትሕታት ነኺስና ቡቑዕ ናይ ሞትን ሕዮትን ቃልሲ

ብዘይምግባርና ወሳናይ ዕንቅፋት ብባዕሉ በቲ ውድብ በቲ ኣመራርሓ ተፈፂሙ። ብውፅኢቱ ንውድብናን

ኣመራርሕኡን ናብ ዓዘቕቲ ፅግዕተኛ ምብስባስ ኣእቲይዎ ኣብ ጫፍ በፂሑ ናብ ፅግዕተኛ ገዛኢ ደርቢ

እንተዘይተቐየረ “ውን ኣብ ምግዓር ዝበፅሐ ውድብን ኣመራርሓን ጌርዎ “ሎ። ስትራተጂካዊ ናይ ኣመራርሓ

ውድቀት ብዝላዓለ በዚ ይግለፅ። ናብዚ ዋና ውድቀት ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ናይ ውሽጢ ውድብ ቃልሲ

ምሟት፣ ናይ መንግስትን ህዝቢ ስራሕትን ምድኻም መሰረታዊ ጉድለታት ስትራተጂያዊ ኣመራርሓ ‘ዩ።

ስትራተጂያዊ ውድቀት ኣመራርሓ በዚ ውን ይግለፅ።

ኣብዞም መሰረታዊ ስትራተጂያዊ ጉዳያት ዘጋጠመ ውድቀት ሳዕቤኑ ብቡዙሕ ኩርናዓት ክግለፅ

ይኽእል። ቅድሚ ኩሉ ብውሽጣዊ ሕመቕና ህልውና ውድብና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ብኡንብኡ ህልውና ህዝቢ

ትግራይ ውን ኣብ ሓደጋ ዝኣተወሉ ኩነታት ፈጢሩ። ናይ ኣመራርሓና ኣባላትና ናይ ኣራኣያ ፅሬትን

ብቕዓትን የዕርዩ ተሸርሸሩ ናይ ኣራኣያ ሓድነት ጠፊኡ፣ ሂይወት ደርባዊ ቃልሲ ጠምብዩ፣ ድሕረታት

21

ብብቕዓት ዘይምከተሉ እኳ ደኣስ ቡዙሕ ኣካል “ቲ ድሕሪት ዝኾነሉ ናይቲ መስመር እምነት ዝሽርሸረሉን

ሕልፍ ኢሉ ድማ ብኣመራርሕኡ ዝውቃዓሉ፣ ናይ ውሽጢ ውድብን ህዝብን ቃልሲ ተኣሳሲሩ ብዘይምኻዱ

ኣመራርሓን ኣባላትን ፀርዮም ሓቀኛ መንነቶም ሒዞም ከይወዑን፤ በቲ ኻሊእ ገፅ ድማ ካብዚ ምንቅስቃስ

ብዝርከብ ሓዱሽ ሓይሊ እናመልመልካ፣ እናሰልጠንካን እናሃነፅካን ብዘየቋርፅ ናይ ውድብ፣ መንግስትን

ህዝቢን ኣመራርሓ ናይ ምርካብ ዕድል ኣዳኺሞዎ። በዚ ምኽንያት ናይ ሓዱሽን ነባርን ኣመራርሓ

ትውልዲታት ምጉርራስን ብፍላይ ድማ ናይ ሓዱሽ ትውልዲ ገፊሕ ናይ ኣመራርሓ ዕቑር ምንጪ (Pool)

ዘይብሉ ውድብን ኣመራርሓን ጌርዎ “ዩ። እቲ ካሊእ መግለፂ ስትራተጂያዊ ውድቀት ዚ ‘ዩ።

ስትራተጂያዊ ውደቀት ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ መኸተ ብዝተዋህበ ድኹም ኣመራርሓ ውን ይግለፅ።

ውድብናን ኣመራርሕኡን ብውዳበ ይኹን ብውልቀ ዝተራኣየ ተወፋይነት፣ መስዋእትነትን ፅንዓትን፣ ውድብና

ብሓቀኛ ዕላምኡን ህዝባዊነቱን ብመስተንክር ተዓዋትነትን ተግባራዊ ውፅኢቱን ኣቢሉ ህዝቢ ትግራይ

ተኣማሚኑ ኣብ መኸተ ክዓስል ጌሩ ወሳናይ ናይ ሞቭላይዜሽን ረቋሒ ኮይኑ ኣገልጊሉ፣ ኣመራርሓ ድማ

ምስ ቡዙሕ ድኽመቱ ኣተሓባቢሩ። ይኹን ምበር ኣብ ጉዕዞ ፅግዕተኛ ምብስባስ ኾይኑ ዝሃቦ ምትሕብባርን

ምምራሕን ምንባሩ ሓደ መዳይ ናይ’ቲ ስትራተጂካዊ ኣመራርሓ ውድቀት መግለፂ ‘ዩ። “ዚ ውድቀት “ዚ

ኣብ ስትራተጂካዊ ናይ ኩነታትን ናይ ሓይሊታትን ጉጉይ ገምጋምን ኣማታይ ዘይምዃንን፣ ኣብ ኣሰላልፋ

ሓይሊታትን ዓቕሚታትን ኣብ ህንፀቶምን፣ ኣብ ምድላው ወታሃደራውን ፖለቲካውን መዳይ፣ ኣብ እዋን

ኵናት ምውፋርን ተልእኾታትን ስትራተጂያዊ ሓይሊታትን ስትራተጂያዊ ሃፍትን፣ ኵናትን ሰላምን

ከምኡ’ውን ቡቱን ኣመራርሓ ድሕሪ ፕሪቶርያን መግለፅታት ውድቀት ስትራተጂያዊ ኣመራርሓ እዮም።

ቀፂልና እምበኣር ናይቲ ዋና ስትራተጂያዊ ውድቀት ፅግዕተኛ ምብስባስ ኣመራርሓ ናብ ምርኣይ ንስገር።

2.2. ትሕዝቶ ፅግዕተኛ ምብስባስ ኣብ ውሽጢ ኣመራርሓ!

2.2.1. ንጥልመትን ምሽርሻርን መስመርና ዘቃለዐ ፅግዕተኛ ምብስባስ

ውድብና ህወሓት ዝቃለሰሉ ዘሎ መስመር ኣብ ጭቡጥ ኩነታትን ፀገምን ትግራይ፣ ኩነታት ዓለምን

ከባብን ሳይንሳዊ ብዝኾነ ተገምጊሙን ተፀኒዑን ብግዚኡ ዓሞቕትን ገፋሕትን ምይይጥ ተገይርሉ መቃለሲ

ክኾን ብውድባዊ ጉባኤ ዝፀደቐን፣ ካብ’ዚ ብላዕሊ ድማ ‘ዚ መስመር ናይ ፀገማት ጭቡጥ መፍትሒ ምዃኑ

ብተግባር መሰረታዊ ለውጢ ብምምፃእ ልዕሊ ኹሉ ተረባሒ ህዝቡ ቀፂሉ ድማ ብማዕዶ ዝርኢ ሕ/ሰብ

ዓለም ዘረጋገፀሉ ሓቀኛን ለውጢ መምፃኣይ መስመር “ዩ። ዚ እቲ ዝላዓለ ጥሪትን ሃፍትን ህወሓትን ህዝቢ

ትግራይን ‘ዩ። ኣንፃር ህዝባዊነት መለለይ እምነትና ምኻድ ተጀሚሩ ኣሎ። ዚ ከም ዘለዎ ኾይኑ ግን ዚ

መስመር ኣብዚ ስትራተጂካዊ መድረኽ ኣብዝህሉ ንኡሳት ምዕራፋት በቢግዚኡ ምስዘሎ ምዕባለታት ናይ

ውሽጢ፣ ዓለምን ከባብን እናተገናዘበ ኣብ ናይ ሕ/ሰብ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ዝምዕብል፣ ዝልወጥን

22

ዝዓሙቕን ‘ዩ። ‘ዚ እንተዘይተገይሩ ባዕሉ ፀረ ‘ቲ መስመር ደው ምባል ዩ ዝኸውን። ነገር ግን ናይ ፖሊሲ

ነፃነትን ምስዚ ዝተዛመዱ መሰረታዊ ፖሊሲታትን ወይ ዘይቕየሩ “ዮም እንተዘይኾይኑ ድማ ነዊሕ ዝጓዓዙ

እዮም። ካብዚ ኣንፃር ዝመሓየሽ፣ ዝልወጥ ድማ ኣብ ውሽጢ ውድብ ኣጀንዳ ብስርዓት እናሓዝካ ጥራሕ ‘ዩ

ብዛዕባ ፕሮግራም ምልዓልን ምምያጥን ዝካኣል።

ነዚ መበገሲ ጌርና ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ውድብናን ኣመራርሕኡን ከምኡ’ውን ካብ ውድብና

ወፃኢ ዘለው ፅግዕተኛታትን ብተናፀልን ብዝተዋደደን መስመር ልምዓታዊ ዲሞክራሲ ካብ ስሩ ሚሒኻ

ንምጥፋእ ብኡንብኡ ድማ ህወሓት ንምፍርራስ ተግባራት፣ ኣራኣእያታትን ወፍሪን ብስፍሓት ዝረኤ ዘሎ

“ዩ። ኣብ ውሽጥና ፕሮግራምን ሉኣላዊ ናይ ፖሊሲ ነፃነትናን ብዘጥፍእን ኣሰላልፋ ዝወፀን ብግልፂ ይርአ

ኣሎ። ዓለም ናይ ኒዮ-ሊበራሊዝም “ዩ ናብ’ዚ ንእቶ። ወያናይ ዲሞክራሲ መስመር ብምዕራብ ተቐባልነት

የብሉን። ይቀየር። መትከላቱ፣ ደርባዊ ውግንንኡን ኣሰላልፋ ሓይሊታቱን ኣየድሊን፣ ጆኖሳይድ ዘይከላኸል

መስመር እንታይ ዝገብር ‘ዩ፣ ፀላእቲ ዘብዘሐልና ብዘይደጋፊ ዘትረፈና “ዩ፣ ዝኣረገ፣ ደረቕ ‘ዩ ናይ 60ታት

ዝኣረገ ትውልዲ “ዩ…ወዘተ ብስሩ ውን ሌጋሲ ህወሓት ሓፂብካ ንምድርባይ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ “ቲ መስመር

ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ ኣራኣያታት ዚ ገሊኡ ክፋል ዘልዕሎ ዘሎ ጉዳይ ‘ቲ መስመር ምስ ኩነታት ናይ

ምትዕርራይ ጠለብ እንተይኮነ ረብሓ ብሄረ ትግራይ ብዘየግድስ ምዕራባዊያን ብዝደለይዎ ንኺድ ዝብል ስለዚ

ድማ ‘ቲ ዝላዓለ ሰነድ ቃልኪዳን ውሽጠ ውድብ ፕሮግራም ዘፍርስ ተፈተወ ተፀልአ ናይ ህዝባዊ ውግናን

ኣፈላላይ “ዩ።

ናይ ገሊኡ ድማ ኣብ ፖለቲካዊን ስነ-ሓሳባዊን ምዝባዕን ገፊሕ ምድንጋርን ብውፅኢት ጉድለት

ናይቲ ህንፀት ኢንዶክትሪኔሽንን ከምኡ ውን መኸተ ዝፈጥሮ ስግኣትን ጥርጥርን ስዒቡ ዝመፀ ምሽርሻርን

ምድንጋርን ክኾን ይኽእል። በቲ ይኹን በቲ ብኣሰላልፋ ዝጠለመ ይኹን ዝተሸርሸረ እንካብ ርእሱ ኣውፂእዎ

ዘሎ መስመር ልምዓታዊ ዲሞክራሲ ኣብ ክንዲኡ ተኪኡ ኣትዩ ዘሎ ኣረኣእያ ግን ሕመቕ ፅግዕተኛ ምብስባስ

“ዩ። ካሊእ ምስ’ዚ ተኣሳሲሩ ክረአ ዘለዎ መስመርን ክብርታት ቃልስን ንምፅራግ ብሽም ሪፎርም ዝግበር

ዘሎ ወፍሪ “ዩ። ‘ዚ ብሽም ሪፎርም ኣብ’ቲ መስመር ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ኣብ ውሽጥን ካብ ውድብ ወፃኢ

ብዘሎ ሓይሊን ዝካየድ ዘሎ ‘ዩ። ኣብ ውሽጢ ውድብ በቲን በቲን ናይ ሕሶት ጭርሖታት ብምልዓል ዕስለ

ንምእካብ ናይ ለውጢን ፀረ ለውጢን፣ ናይ ሰላምን ፀረ ሰላምን፣ ውድብን መንግስትን ዝፈልን ዘይፈሊን

ከምኡ’ውን ውድብ ዘድሕን ዘየድሕን ብዝብል ኣብ ፅግዕተኛ ምርጋሕ ዝኸረመ ኣመራርሓ ኣይቀሊልን።

እንካብ ውድብ ወፃኢ ዘሎ ፅግዕተኛ ሓይሊ ብሹም ሪፎርም ‘ዚ መስመር ንክብሪታቱን ጠቕሊሉ

ክፅረግ ዕግርግርን ሕብራዊ ዓመፃትን ሓዊሱ ብዝተወደበ መንገዲ ኣብ ምንቅስቓስ ኣሎ። ዝተዋደደ ፕሮጀክት

ተሓንፂፁሉ ብሚልዮናት ዶላር ካብ ደገ ተመዲቡሉን ብምትሕብባር ዝምራሕን ኮር መንቀሳቐስቱ

ጥቕመኛታትን ስልጣን ብኣቋራጭ ንምሓዝ ዝንቀሳቐሱን፤ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብውድባዊ ገምጋማት

23

ዝወፁ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ሓለፍትን ሙሁራትን ተጋሩ፣ መንግስቲ ፒፒን ተቓወምቲ ኢና ዝብሉን፣

ግዚያዊ ምምሕድዳር ከምጉልባብ ብምጥቃምን ከምኡ’ውን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብምውዳድ ዝካየድ ዘሎ

“ዩ። እቲ ፕሮጀክት ዝተፈላለየ ምዕራፋት ተነዲፍሉ ዝትግበር ዘሎ እንትኾን ኣብዚ ምዕራፍ ካብ ላዕሊ

ክሳብ ታሕቲ ዘለው መሓውራት ህወሓትን ህዝብን ከማዓራረን ክፈርስን፣ መሓውር ስቪል ሰርቫንት

ብተመሳሳሊ ሓደ መሰረት መሓውር ህወሓት ‘ዩ ካብ ዝብል ትሕዝትኡ ክልወጥን መጠኑ ክውሕድን፣

ብጠቕላላ ኣወዳድባ ግዚያዊ ምምሕድዳር ምትዕርራይ ዝብል ሹም ሒዙ ግን መሰረትን ክብሪታትን ልምዓታዊ

ዲሞክራሲ ዘፍርስን ዝልውጥን መፅናዕቲታት ዝተባህለ ብውሽጥን ትካላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓዲምካ

ይካየድ “ሎ። ኣብቲ ይሃሊ ኣብቲ ኣመራርሓ ህወሓት ነዚ ሽግር ነፂሩ ኣይቃለስን ዘሎ። ብምዃኑ ድማ

ንመስመሩ ዘለዎ ውግንና ብዓብይኡ ምሽርሻሩን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ናይ ውድብን ካብ ውድብ ወፃኢ ዘሎ

ሓይሊ ፅግዕተኛ መተኣሳሰሪ መድረኽ ምልክት ተገይሩ ውን ክረአ ዘለዎ “ዩ።

መስመር ልምዓታዊ ዲሞክራሲ ኣብ ናይ ሕ/ሰብ ትግራይ ፀገም ተመስሪቱ ፀገም ሕ/ሰብ ትግራይ

ዝፈትሕን፣ ዝፈትሕ ምኻኑ ውን ብተግባር ዘመስከረን ኣብ ምዕባለን ለውጢ ንሕ/ሰብ ትግራይን ግዳምን

ተደሪኹ ድማ ብዘየቋርፅ እናተመዓራረየን እናዓሞቐን ዝኸይድ ናይ ትራንስፎርሜሽን መስመር ‘ዩ። ህያውነት

ናዚ መስመር ዝግለፀሉ ሓደ መለለይ ባህሪ ኮይኑ እንተብቅዕ ግን ኣመራርሓ ንነዊሕ ዓመታት ድሕሪ መስዋእቲ

ስሙይ መራሒ ብፃይ መለስ ዚ ዝባሃል ፈተሻን ምትዕርራይን እንተይገበረ ዘሊቑ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት

ግን ቀሊል ዘይባሃል ናይ ውሽጥን ግዳምን ብፍላይ ድማ ንዝርዝር ፖሊሲታት ለውጢ መሰረት ዝኾኑ

ምዕባለታት ተራእዮም እንዳሃለው ንምትዕርራይ ኣይሰርሐን። እዚ ጉድለት ስትራተጂካዊ ጉድለት ዩ።

እዚ ጉድለት “ዚ ምስቲ ፖለቲካዊን ስነ-ሓሳባዊን ጉድለት ኣስተምህሮ (ኢንዶክትሪኔሽን) ተዛሚዱ

ነቲ ኣመራርሓን ኣባልን በቲ ዕላማ ተመሲጡ ዚ ክቡር ዕላማ ዩ ክቃለሰሉን ክስውአሉን ጉቡእ “ዩ ኢሉ

ክኣምነሉ በብግዚኡ ከህድሶ፣ እዚ ዕላማ “ዚ እንተተዓዊቱ የ ኣነ ዝርባሕ ኢሉ ሕብረተሰብ ሒዙ ክቃለስ

ዝገብሮ ዕጥቂ ተፈቲሑ። ሓዱሽ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ምስተፈጠረን ኵናት ጆኖሳይድ ምስገጠመን

እቲ ፍቱሕ ዕጥቂ ንገፊሕ ምድንጋር ኢሉ ውን ኣማራፂ ፅግዕተኛ ኣራኣያታት ቦታ ክረክብ ዝገበረ ጉድለት

ዩ። “ቲ ኣመራርሓ ብሓባር ዝጓዓዘሉ ሓድነቱ ውሁድ ዝኾነሉን ናይ ቃልሲ ጓህሪ ከየቀፃፅልን ስልጣን ሒዝካ

ብመንገዲ ግዕዝይናን ፀረ-ዲሞክራስን መሳርሒ ምብስባስ ከይኾን ዝገብሮ ገዚፍ ዕጥቂ ተጓዲሉ። ብኣጠቓላሊ

ንመጥቃዕቲ፣ ጥልመትን ምሽርሻርን ልምዓታዊ ዲሞክራሲያዊ መስመርና ዘቃለዐ ፅግዕተኛ ምብስባስ ናይ

መድረኽና ልዑል ትሕዝቶን መግለፂን ኮይኑ ‘ሎ።

24

2.2.2. ስልጣንን ግዕዝይናን ቁልፊ ትሕዝቶ ፅግዕተኛ ምብስባስ!

ብዓይኒ መስመር ልምዓታዊ ዴሞክራሲ ስልጣን ዝድለየሉ ብሕታዊ ምኽንያት ናይ ሕብረተሰብ

ትግራይ ጉዕዞ ስግግር (ትራንስፎርሜሽን) ንምስላጥ ብዘለዎ ተደላይነት ጥራሕ’ዩ። ውድብናን ኣመራርሓናን

ተወዳዲሮም ብቐፃሊ ስልጣን ዝሕዙን ዝምነዩን ናይ መጀመርያን መወዳእታን ዕላማ ንባዕሎም ክነብርሉ

ብፍፅም ኣይኮነን። ወሳኒ መሳርሒ ለውጢ ንምግባር “ምበር። እንተኾነ ግን ዚ ውድብናን ኣመራርሓናን

ክሰብርዎ ዝጋደልሉ ክራይ ኣካብነት (ፅግዕተኛነት) ፖለቲካ ኢኮኖሚ ዝዓብለሎ ወድዓዊ _ ባይታ

ብልምዓታዊነትን ዲሞክራሲያዊነትን ዓብላልነት ክሳብ ዝቕየር ብተኸታታሊን ዓሚቕን ደርባዊ ቃልሲ ዝሕሎ

“ምበር ብሰናይ ድሌት ኣይረጋገዕን። ተደጋጊሙ ኣብ’ዚ ፅሑፍ ዝተላዕለ እቲ ቃልሲ ኣብ ዝሞተሉ ኣብ

ላዕሊ ዘሎ ኣመራርሓ ስልጣን ንውልቀ ረብሕኡ ከውዕል መሳርሒ ግዕዝይና ኣብ ዝገብረሉ ተራ ናይ ስልጣን

ህረፍ ጉድለት እንተይኮነ ናብ ገዛኢ ደርቢ መሰጋገሪ ወሳኒ መሳርሒ ኮይኑ ስርዓት ዝልውጥ፣ ታሕተዎት

ሰብ መዚ ድማ ዝሓዝዎ ስልጣን መንበሪ ጌሮም ኣብ ከቢድ ናይ በለፅ ፀገም ኣትዮም መወዳእትኡ ሒዝዎም

ዝጠፍእ ሕመቕ (ዛንታ ቆሳል ዝብኢ) መንቀላወጥቲ ወይድማ ሓረጎት ገዛኢ ደርቢ ዘናብዩ ዮም ዝኾኑ። ዚ

ብምፍራስ ኢህወዴግ ብተግባር ሪኢናዮ ዘለና “ዩ።

ህወሓትን ኣመራርሕኡን ንንውሕ ዝበለ እዋን ዘየምውት፣ ዘየሕዩ ቃልሲ እትው ውፅእ ናይቲ

ምብስባስ ዓብይ መዳዩ ኣብ ስልጣን ዝፀንሐን ዘሎን ኣራኣእያ “ዩ። ሕዚ ዘሎ ፅግዕተኛ ናይ ስልጣን ኣራኣእያ

“ውን ሕዚ ዝተፈጠረ እንተይኮነ ካብ ዝሓለፈ ዝዞረ ድምር ውፅኢት እዩ። በብግዚኡ ክፍተን ዝፀንሐ፣

ስልጣን ብዓይኒ ውልቀ ረብሓኻ ብምርኣይ መሳርሒ ናይ ጥቕሚ፣ መሐለዊ ክብሪን እንካብ ኣስተዋፅኦኻ

ንላዕሊ ናይ ናብራ ጣዕሚ (ምቾት) እትፈጥረሉ ዞባን ዕድል እንትርከብ ድማ መሳርሒ ዓብይ ግዕዝይና

(Grand Corruption) እናኾነ ዩ መፂኡ። ዘይሩ ዘይሩ “ቲ ዓብይ ግዕዝይና ብዋጋ ስልጣን ዝርከብን

ዝባኽንን ሃፍቲ ህዝብን ዓድን ዩ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ድማ እናተራኣየን እናተኾርኮመን መፂዩ “ዩ።

ኣብዚ እዋን ስልጣን ተቆፃፂርካ ኩሉ ናይ ውልቂን ጉጅለን ረብሓታት ንምምላእን ናብ ገዛኢ ደርቢነት

ንምስግጋርን ኣብ ዘኽእል ጫፍ ተበፂሑ “ሎ። ናይ’ዚ እቲ ዝላዓለ መግለፂ ኣመራርሓ ካብ ጭቡጥ ስራሕቲ

ወዕዩ ኣብ ናይ ባዕሉ ናይ ስልጣን ዕንክሊል ዩ ኣትዩ። ድሕሪ መቐለ ምምላስ ኣመራርሓ ህወሓት ንኹነታት

ናይ ውድብ፣ ህዝብን መኸተን ጉዕዞ ብእዋኑ ገምጊሙ ጉባኤኡ ኣካይዱ ነዚ መድረኽ ዝምጥን ምትዕርራይን

ሓዱሽ ምልዕዓል ኣብ ኣባላቱን ህዝቡን ኣብ ክንዲ ዝፈጥር ኣነነት ዘጥቀዖ (Egocentric) ኣራኣእያታት

ኣማዕቢሉ ናይ ምንዕዓቕ፣ ናይ ፀለመን ሓሜትን ወፍሪ ድኽመታትን ተሓታትነትን ናብ ዝኾነ ኣካል እናደርበየ

ካብ መን ንኢሰ ‘የ ብዝብል ቦታኻ ናይ ምትዕርራይን ዕንይንይን ናይ ውልቂ ስልጣን ናይ ምንዳይን ዝንባለ’ዩ

እናተጠናኸረ መፂኡ።

25

ምፍራምን ከይዲ ምፍፃምን ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንኹሉ ነገር ናብ ካሊእ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣሰጋጊርዎ።

ኣጀማምራ፣ ኣወዳድኣን ቀፃሊ ጉዕዞን ናይቲ መኸተ ገፊሕ ምድንጋር፣ ተስፋ ምቑራፅን ብሄራዊ ዕንይንይ

ተፈጢሩ። ኣባልን ህዝብን ነቲ ሓዱሽ መድረኽ ኣይተዳለወን። ከይዲ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ወዲቑ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዳርጋ ናይ ኩሉ ነገር ወሳናይ ኮይኑ ሞኖፓላዊ ስልጣን እናተቖፃፀረ መፂኡ ናይ ድርድር

ዓቕምና እናተዳኸመ መፂኡ። ህዝብናን ኣባልናን ሓበሬታታት ተዓፅዩ ሓልሓሊፉ ድማ ኣብ ተግባር ዘይውዕል

መፅብዓታት ብሚድያ እናተገለፀ ዝኸደሉ ኩነታት፣ ናይ ኣፈፃፅማ መስርሕ ድርድር ንዑር ዕላማ፣ ሽቶን

ኣፈፃፅማን ዘይብሉ ድሕሪ መልሲ ብስርዓት ሪፖርት ዘይቐርበሉ፣ ከይዲ ውን ተፈጢሩ።

ስምምዕነት ፕሪቶርያ እንካብ “ቲ ስምምዕነቱ ጀሚሩ ዝነበረ ጉድለት ዝተወደበ ኣመራርሓ ከምዘሎ

ኮይኑ ድሕሪ ምፍርራም ዝነበረ ከይዲን ናይ ኣፈፃፅማ ድርድርን ውድብ ኣይመርሖን። ዝላዓለ ኣመራርሓ

ናይቲ ውድብ ‘ዚ ካብ ምምራሕን ብጥብቂ ምክትታልን ንላዕሊ ካሊእ ዘቕድሞ ጉዳይ ክነብሮ ኣይነበሮን።

ኣብቲ ዋና ግንባር ግን ኣይተሰለፈን። ደሓር ውን እንተኾነ ትርጉም ዘለዎ ዝተወደበ ኣመራርሓ ኣይነበረን።

ህዝቢ ፈቖዶ ናይ ተፈናቐልቲ መፅለልታት ኣብ ከቢድ ስቓይ፣ ጥሜትን ሕማምን ሞትን ምብትታንን ካብ

እዋን ናብ እዋን ዝውስኽ እናኾነ እናሃለወ ኣመራርሓ ዚ ኹሉ ንጎድኒ ገዲፉ ካብ ዋና ኣጀንዳ ህዝቢ ወፂኡ

ስልጣነይ ኣበይ ኣላ? ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ተፀሚዱ ኣብ መስርሕ ምጥያሽ ግዚያዊ ምምሕድዳር ኣብቲ ይኹን

ኣብቲ ስልጣን ከመይ ትመፅእ ዋና መተኣኻኸቢ፣ መፈላለይ፣ ፈታዊን ፀላኢን ደጋፊን ተቓዋሚን መፍለይ

ደንበ ኮይኑ። መን እንታይ ሕመቕ ኣለዎ? ገዲፍካ ምሳይ ክሳብ ዝተሰለፈን ዝደገፈን ካሊእ ሕመቑ፤ ስርሑን

ኣሰላልፍኡን ገደሉ ይእቶ፤ ብዝብል ግልፂ ምትእኽኻብ ናይ ስልጣን ዝተራኣየሉ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት ኣመራርሓ ነንባዕሉ ዝወነጃጀል፣ ምውንጅጃሉ ብዘይሕንከት ናብ ህዝቢ እናወፅአ ናይ

ባዕሉ ፀገም ከይኣኽሎ ብጉድለት ኣመራርሓ ዝተፈጠረ ናይ ናብራ ምፍንቓል፣ ፀጥታን ህውከትን ሞራል

ተስፋ ምቑራፅ ከይኣክል ናይ ኣመራርሕኡ ስልጣን መን ወሰደ ምርጋሕ ካሊእ ከቢድ ኣሻቕሎት ዝተፈጠረሉ

ከይዲ ዩ ኮይኑ መፂኡ። እዚ ኹሉ ነቲ ህዝቢ ነቲ ብሄር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኹነታት በብግዚኡ እናማዕበለ

ኣመራርሓ ብኹሉ ገፅ ዐማም እዝኒ ሂቡ ላዕለዋይ ቦታን ላዕለዋይ ስልጣን መን ተቖፃፀረ ኣብ ዝብል መስርሕ

እናተናቖተ ከይዱ ከይዱ ዚ ጉጅላዊነት ናብ ምፍጣር በፂሑ “ዩ።

ኣብ ውሽጢ ውድብ ብዝተወደበ መንገዲ ላዕለዋይ ቦታ ንምሓዝ ዝገልስ ኣግሊስካ ውድብ ናይ ምቁፅፃር

ኣራኣያን ምትእኽኻብን ናይ ውድብ ላዕለዎት ናይ መፈፀሚ መሓውራት ናይ ስራሕ ፈፃሚ ቦታታት

ተቆፃፂርካ ህወሓት ብዝጥዕመካ ንምዝዋር ዕንቅፋት ዝተባህለ ሓይሊ ናይ ምፅራግ ምንቅስቓስ ዘካየደ፣ በቲ

ኻሊእ ገፅ ድማ ፀግዑ ሒዙን ዘይቃለስን ቦትኡ ንዘይምልቃቕ ዝከላኸልን ወጥሪ ጫፍ ወፅዩ ባዕሉ ንባዕሉ

ምእላይ ኣብይዎ ክብተን ኢሉ ኣብ ታሪኽ ውድብና ንፈለማ እዋን ቃልሲ ደው ኣቢሉ ብሽምግልናን

26

መሸማገልቲን ተጋደልቲ መኸተ ብፆት ብዝወስድዎ ህወሓት ናይ ምድሓን ስጉምቲ ናብ ካድረ፣ ኣባልን

ህዝብን ሰጒምና ናብ ድርኩኺት ጉባኤ በፂሕና ኣለና።

ካሊእ ጫፍ ግን ናይ’ዚ ሕመቕ ዚ መቀፀልታ ዝኾነ ላዕለዋይ ቦታ (Upper Hand) ንምሓዝ ኣብ

ዝነበረ ፅግዕተኛ ናይ ስልጣን ኣራኣእያ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሞኖፓሊ ስልጣን ሂቡ መንግስቲ ፒፒ

ስልጣን ወሃባይን ከላኣይን፣ ንሕና ለመንቲ ስልጣን ገይሩ ናብ ዝወረደ ውርደት በፂሕና። ምስ ኣባልናን

ህዝብናን ምምይያጥ ገዲፍና ኣብ ሸመታ ንዓይ ንዓይ ብምእታውና መደራድርትና ስጋ ዘይብሉ ዓፅሚ

ደርብዮም ከናኽሱና ዕድል ሂብና። ኣብ’ዚ ከይዲ ንመንግስቲ ፒፒ ናይ ምሕዳርን ምሕሽካርን ዝንባለ ኣብቲ

ሓደ ይኹን ካሊእ ተራእዩ “ዩ። ይኹን ምበር መንግስቲ ፒፒ ኣብ ውሽጥና ነንባዕልና ከባልዕ ክኸፋፍል

ብዝነበሮ ስልቲ ንገሊኡ ነፂጉ ንገሊኡ መሪፁ ብምሃብ ዝኸዶ እንካብ ውሽጥና ነዚ ዕድል ዝረኸበ ሓይሊ

ልዕልነቱ ኣብ ውሽጢ ውድብ ንምርግጋፅ ከም መሳርሒ ተጠቒሙሉ። ስልጣንን ምስ ስልጣን ተዛሚዱ ዝሓዞ

ሃፍቲን ልዕልነት ንምርካብን ምንቅስቓሳት ውድብ ንምዕጋትን ምንቕስቃስ ገይሩ “ዩ።

ግዕዝይና ኣብ ውሽጢ ውድብ ኮነ መንግስትን ማሕበረሰብን ከቢድ ሓደጋ ኮይኑ ጎሊሁ ዝወፀሉ እዋን

“ዩ። ኣመራርሓ ኮይንካ ስልጣንካ ተጠቒምካ ሃፍትን ንብረትን መንግስትን ህዝብን ምጥቃም ምብኻን ገፊሕ

“ዩ። ኣብ እዋን ኵናትን ድሕሪኡን ኣብ ትግራይ ቡዙሕ ሃፍቲ በቲ ሓደ ወይ በቲ ኻሊእ ሞቢላይዝ ዝተገብረ፣

ካብ ፀላኢ ዝተረኸበ ሃፍትን ንብረትን ኣብዚ ዝተርኣየ ምልዓልን ብኽነትን፣ በቲ ኻሊእ ገፅ ድማ ገፊሕ

ናይ ኮንትሮባንድ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ብስፍሓት ዝተሰርሐሉን ሕዚ ውን ዝስራሓሉ ዘሎን ብርክት ዝበሉ

ምስ ውድባዊን መንግስታዊን መሓውራት ብምዃን ይፍፀሙ ምህላዎም ይግለፅ። ኣመራርሓታት ዝመርሕዎ

ቤት ዕዮታት ኣብ’ዚ እዋን ዝዋሃብ ኣገልግሎት እንካብ ጉቦን ድርድርን ወፃኢ ዝኾነ የለን ዝብል ገፊሕ “ዩ።

ብጠቕላላ ግዕዝይና ስርዓታዊ (Systemic) ዩ ኮይኑ ዝብል ገዛኢ ሓሳብ ኮይኑ ኣሎ።

ናይ ኣመራርሓን ሰብ ሃብትን ዝምድናን ምትእስሳርን ብልምዓታዊ መንገዲ ኣብ ምድጋፍን ምግራሕን

ድዩ ዝኒሀ ወይስ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ጥቕሚን ዝብል ብደንቢ ክረኤ ዘለዎ ‘ዩ። በዚ መዳይ ብኽልተ

መልክዕ ዝግለዑ መዳያት ኣለው። ስልጣን ከም መሳርሒ ፅግዕተኛታት ሰብ ሃብቲ ንምግባር ዝኽየድ ዘሎ

ኣብ ዋና ሃብቲ ‘ዚ ብሄር፣ ኣብ ማዓድን፣ መሬት፣ ኢንቨስትመንትን ንግዲን ብሞኖፓል ናይ ምቁፅፃር

ምንቅስቃስ ቀሊል ኣይኮነን። “ዚ ካብ ምትእስሳር ኣመራርሓ ወፃኢ ክፍፀም ኣይኽእልን። በቲ ኻሊእ ገፅ

ፅግዕተኛታት ሰብ ሃብቲ ሰብ መዚ ኣብ ዝተፈላለየ ብርክታት ብምቁፅፃር ፖሊሲታት ከቐይሩ ፈተናታት

ዝገብርሉ፣ ሕግታትን ናይ ኣሰራርሓ መምርሒታትን ንባዕሎምን ጉጅለኦምን ብዝጠቅም ከዕርዩ ዝፍትንሉ

ምልክታት ውን ኣሎ። ዝደለይዎ ሰብ ከደይቡ፣ ከውርዱ ፈቐድትን ከልከልትን ኮይኖም ከህፍቱሙን

ከድክዩን ዕድል ዝረኽቡ ፅግዕተኛታት ሰብ ሃብቲ ከምዘለው ምልክት ዝህቡን ዚ ርድኢት ክፍጠር ዝገብሩን

ኣለው። ካብዚ ሓሊፉ ብዘሎ ናይ ውልቀ ጥቕሚ ምትእስሳራት ውሽጣዊ ውሳነታት ውድብ ናብ ዕዳጋ

27

ኣቕሪቡ ብጅምላን ችርቻሮን ዝችብችብን ናብ ተፃራሪ ዘብፅሕን ውን ኣካል ናይ’ዚ ፀገም ተገይሩ ክረአ

ዘለዎ ‘ዩ። ብኣጠቓላሊ ስልጣን መሳርሒ ንግዕዝይና፣ ግዕዝይና ንብልሽው ስልጣንን ጉዕዞ ገዛኢ ደርቢን

ብምስላጥ ቁልፊ መዳይ ፅግዕተኛ ምብስባስ ኣመራርሓን ኮይኖም ዘለው ዮም።

2.2.3. ፀረ-ዲሞክራሲ መሰረታዊ ትሕዝቶ ፅግዕተኛ ምብስባስ!

ፀረ-ዲሞክራሲ ኣብ’ዚ ፅሑፍ ተቐሚጡ ከምዘሎ ንፅግዕተኛ ምብስባስን ጉዕዞ ገዛኢ ደርቢነት ዘሰጋግር

ሓደገኛ ትሕዝቶ ፅግዕተኝነት ዩ። ፀረ-ዲሞክራሲ ብገፊሑ ኣብዘለሉ ንግዕዝይና ናይ ምቅላዕ ሓደጋ፣ ግዕዝይና

ኣብዘለሉ ድማ ዓሚቕ ፀረ-ዲሞክራሲ ክህልው ግድን ‘ዩ። ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ኣመራርሓን ውድብናን

መሰረታዊ ናይ ፀረ-ዲሞክራሲ ኣራኣእያን ተግባራትን ተበራኺቶም ኣለው። ኣብ ውሽጠ ውድብ ዲሞክራሲ

ብጣዕሚ ኣገዳሲ ጉዳይ ሓሳባት ምእካብ፣ ምብሳልን ምትንታን ኣብ ዘየቋርፅ ናይ ሓሳብ ክትዕ ምይይጥ

ምግባር “ዩ። ‘ዚ ኣብ ኣመራርሓና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናጠፍአ ኣብ ናይ ሓሳብ ባሕርን ምይይጥን ምንባር

እናቋራፀ “ዩ መፂኡ። ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ተሳትፎ ኣባላትን ካድረታትን ኣብ ውሳነታትን መደባትን እናነከየ

‘ዩ መፂኡ። ናይ ውድብ ኩነታት መሰረታዊ ውሳነታት ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ስርዓት ዘለዎ ናይ ሓበሬታ

ፍሰት እናጠፍአ ዝኸደሉ ኮይኑ። ምሕደራ ውሽጢ ውድብ ምደባታት፣ ቅፅዓት፡ ሽግሽግን ዝውውርን መረፃን

ማህደርን መሰል ጥቕማ ጥቕሚን ቀሊል ዘይበሃል ፀገም እናተርኣየ መፂኡ።

በቲ ኻሊእ ገፅ ግልፂነት፣ ተሓታትነትን ፍትሓዊነትን ዝግለፀሎም ሕገ-ደንብና፣ ናይ ኣሰራርሓ

መምርሒታትናን ትካላዊነትናን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናተሸርሸሩ ዮም መፂኦም። ሕገ-ደንብናን መምርሒታትናን

ዝተጣሕስሉ እዋንን መስርሕን ገፊሕ “ዩ። ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈ እናተሸርሸረ ገባራይ ሓዳጋይነት ገፊሑ

“ዩ። ውሳነታት ብዝደለኻዮ ዝጠሓሱ፣ ዘይምድምማፅ፣ ምፍርራጅ፣ ሓሳባት ምፅዓንን ምዕፋንን ናይ ገምጋም

መድረኻት ምዕፃው፣ ምጉታት ወይድማ ሽማዊ ዝኾኑ ገምጋማት ዝካየደሉ፣ ስትራተጂካዊ ናይ ኣመራርሓ

ትካላትን ኣዋዳድባታትን ንውሽጠ ዲሞክራሲ መሰረታዊ ትርጉም ዘለዎን ናይ ጉባኤ፣ ማእኸላይ ኮሚቴ፣

ናይ ኮምሽን ቁፅፅር፣ ናይ ፈፃሚ ስራሕን ማእኸለዎትን ታሕተዎትን ኣወዳድባታት እጃም እናተዳኸመ

ምምፅኡ፣ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ናይ ሓላፍነትን ስልጣንን ሚዛን ምዝብዑ ናይ ውሳነ፣ ሓሳብን ቃልስን

መድረኻትን ኣወዳድባታትን ምኻኑ ተዳኺሙ ዩ።

ኣብ ውድብናን ኣመራርሓናን ተፈጢሩ ዘሎ መሰረታዊ ናይ ፀረ ዲሞክራሲ ኣራኣእያን ተግባርን

ምስቶም ካልኦት ናይ ስልጣንን ግዕዝይናን ሕመቓት ተደሚሮም ናይ ውድብና ውሽጠ ዲሞክራሲ ኣብ ሓደጋ

ወዲቑ ናይ ኣመራርሓን ኣባላትን ኣብ ዴሞክራሲያዊ ተሳትፎ ዝተመስረተ ዝምድናን ምትእስሳርን እናላሕለሐ

ናይ ጥቕሚ ፍልጦ፣ ምቅርራብን ምድግጋፍን ብቀንዱ ድማ ኣብቲ ሕመቓት ዝተመስረተ ናይ ሓባር ህልውና

ናይ ምፍጣር ኩነታት ተራእዩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ስልጣን፣ ግዕዝይናን ፀረ-ዲሞክራስን ሓፁር ከምኡ ውን

28

ኣብ መኸተ ዘድሐርሐረ ሓይሊ ብደገ ኣብ መኸተ ዘይነበሩን ኮንትሮባንዲስትን ብዝተወደበ መንገዲ ህወሓትን

ስልጣንን ንምቁፅፃር ተኣኻኺቡ “ዩ። ኣብ ውሽጢ ውድብ ጉጅላውነት ተፈጢሩ ዩ። ንስሩዕን ማሕበራዊ

ሚድያታትን ትግራይ ብምጥቃም ብዋናነት ኣብ ልዕሊ ክብሪታት ውድብና፣ ሓይሊ መኸተን ኣመራርሓ

ውድብናን ብርኡይ ገፊሕ ወፍሪ ተኸፊቱ “ዩ። ስለዚ ድማ ውሽጠ ውድብ ዲሞክራሲ ናይ ምጥቃዕን

ምክልኻልን ድባብ ዝወጠሮ፣ እናተራቐቐ ብዝመፀ ናይ ምጥቃዕን ምክልኻልን ስልቲታት ገምጋማት

ምንቅቓፋት ህይወት ሲኢኖም እቲ ኣመራርሓ ተኸፋፊሉ “ዩ። እዚ ዝፈጠሮ ካልኦት ሚድያታት ድማ ንናይ

ባዕሎም ውግንና ሒዞም ሓድነት ኣመራርሓና ንምዝራግን ኣፈላላያት ንምግዋሕን ወፊሮም እዮም። ስለዝኾነ

ከይዱ ከይዱ ኣጠቓላሊ ሽግር ፅግዕተኛ ምብስባስ ስትራቴጂያዊ መሪሕነትዩ።

2.2.4. ከባቢያውነት ሓደገኛ መሳርሒ ፅግዕተኛ ምብስባስ!

ኣብ ዓሚቕ ፅግዕተኛ ምብስባስ ዝኣተወ ሓይሊ፣ ጉጅለ ይኹን ውልቀ ሰብ ስልጣኑ ንምክልኻል፣

ግዕዙይን ፀረ-ዲሞክራስን ተግባራቱ ሽፋን ዝረኽበሉን ድጋፍ ዝመስል ዝእክበሉን ጭርሖ ከባቢያውነት

ኣውራጃዊነት ናይ ድሕረትን ፀረ-ህዝብን ዕሰለነት ዝፍጠረሉ በዓቲ ዩ። በዚ መሰረት ፅግዕተኛታት ከም

ቁልፊ መሳርሒ ዝወስድዎን ዝጥቀምሉ ሜላታትን ብደንቢ ዝተሓንፀፀ ‘ዩ። ሕዚ ኣብ ውድብና ኣብ

ኣመራርሓና ብዝገርም መንገዲ ከም ቁልፊ ጭርሖ ሒዙ ዝንቀሳቐስ ኣመራርሓ ብዘይ ሕንከት

ብሕብሕብኢተይ እንተይኮነ ብወግዒ፣ ብሚድያ እንተይቀረየ ከባቢ እናልዓልካ ምስ ስልጣንን ተኣማምነት

ብምትእስሳር መልእኽቲ ተቐሪዑ ብዕሊ ወፍሪ ይካየድ ኣሎ። ገምጋም ብቕዓትን ናይ ስራሕ ውፅኢትን ኣብ

ዝላዓለሉ ብትሕዝቶን ረብሓ ህዝብን ምግምጋም ተሪፉ ደቂ ዚ ኸባቢ ስለዝኾና፣ ወይ ደቂ እቲ ኸባቢ

ስለዝኾኑ ብዝብል ቁሸታዊን ዓሌታዊን ስምዒታት ንምጉስጓስ ምስ መጫፍርቲ ሊሂቃን ብስፍሓት ይኽየድ

“ሎ። ከባብነት ብዝተፈላለየ መልክዕ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከባቢ ከም ለበዳ ይጋፋሕ ዘሎ ሓደገኛ ዝንባለ እዩ።

ኣውራጃ፣ ወረዳን ቁሸትን ዋና መምዘኒ ኮይኑ “ሎ። እዚ ፀገም ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከባብታት ትግራይ ዕንቅፋት

ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ናብ ምዃን’ውን ይበፅሕ ኣሎ። ኣመራርሓ ውድብና ነዚ ካንሰር ኣብ ክንዲ ምቅላስ

ከሰራስሮ ዝረአ ውሑድ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ሳላ ሕሉፍ ቃልሱን ዝበፅሖ ብርኪ ንቕሓትን ንከባብያውነት

ዝቕበል ዘሰራስር እንተይኮነስ ከባብነት ከም መንቀርሳ ዝርኢ እዩ። ኣብ ታሪኹ ብዘመነ መሳፍንቲ

ኣመራርሕኡ ዘጥፈአሉን ጨፍጨፍትን ግፍዐኛታትን ዕድል ረኺቦም ኣብሪሶሞ ‘ዮም። ኣብ እዋን ዕጥቂ

ቃልሲን ድሕሪ ዓወትን ውን ናይ ምብታን ሓደጋ ተፈታቲኑና “ዩ። ብምዃኑ ድማ ሕዚ ደንበኛ መሳርሒ

ፅግዕተኛ ምብስባስ ኮይኑ መፂኡ ሎ ናብ መቓብር ክወርድ ዘለዎ ሓደገኛ ኣተሓሳስባ “ዩ።

29

2.2.5. ህዝበኝነት (Populism) መሳርሒ ፅግዕተኛ ምብስባስ!

ህዝበኝነት (Populism) ዓለማዊ ተርእዮ ኮይኑ ኣብዚ እዋን ዓለም ውን ዘናግዕ ዘሎ ‘ዩ። ህዝበኝነት

ኣብ ዝተጨበጠን ግልፅን ዝኾነ ፖሊስን ኣጀንዳን መፍትሒ ዝሓዘ እንተይኮነ ኣብ ናይ’ቲ ሓፋሽ ስምዒታት

ዘላዓዕል፣ ዘረሳስንን ቅሬታታትን ቁስልን ብምንካእ በዚ ብዝርከብ ድጋፍ ብምጥቃም ስልጣን ምሓዝን ብርስቲ

ምቕፃልን “ዩ። ነዚ ናይ ህዝበኝነት ምንቅስቓስ ምችው ኩነታት ዝፈጥሩ መዳያት ኣለው። ብዝተፈላለየ

ምኽንያት ተስፋ ምቑራፅ፣ ናይ ደንበርበርን ዕንይንይን እዋን፣ ገፊሕ ናይ እቶት ኣፈላላይ፣ እቶት ምንቁልቋል

ናህሪ ናብራ፣ ናይ መንነት ተኳሳሓይነት፣ ናይ ፍትሓዊ ምምሕድዳር ምሽርሻር፣ ግሎባላይዜሽን ዝፈጠሮ

ተፅዕኖ…ወዘተ ብምጥቃም ህዝቢ ንረብሕኡ ከይቃለስን ብምኽዋልን ዓብይ ደንገርገር ብምፍጣር ናይ ስልጣን

መደያይቦ ምግባር ‘ዩ። “ዚ ኣካይዳ ዲሞክራሲያዊ ክብርታት የጥፍእ፣ ትካላዊነት ብምጥፋእ ናይ ሃገራት

ፖለቲካዊ ስርዓት የናግዕ ምክእኣል የጥፍእ፤ ኢኮኖሚያዊ ዘይምርግጋእ፣ ፀጥታዊ ዘይምርግጋእ ናይ ወንጀላት

ምብርኻት…ወዘተ ይፈጥር። ብድምር ብመጨበጢ ዘይብሉ ተስፋን ሆይሆይታን ብምፍጣር ሕብረተሰብ ካብ

መሰረታዊ ረብሕኡ ምውፃእ “ዩ። ብመሰረታዊ ትሕዝትኡ ደንበኛ መግለፂ ናይ ፅግዕተኛ ምብስባስ ‘ዩ። ኣብ

ዓለም ኣብ ኣሜሪካ ከም በዓል ትራምፕ፣ ኣብ ብራዚል፣ ህንዲ…ወዘተ መራሕቲ ዝኸድሉ መንገዲ “ዩ።

ህዝበኝነት ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ውድብናን ኣመራርሓናን ሓደ ኣገዳሲ መልክዕን መግለፂን ፅግዕተኛ

ምብስባስ ኮይኑ ፀኒሑን ኣሎን። ብቐንዱ ድማ ኣብ ስልጣን ምስዘሎ ሓደገኛ ኣራኣእያ ናብ ስልጣን መውፅኢን

ብርስትነት መተሓዚን መሳርሒ መጠን ኣመራርሓና መትከላዊነቱ ይሽርሽሮ ኣሎ። ኣብ’ዚ እዋን ብስምዒት

ዘሕጉስ፣ ዘላዓዕልን ጭብጨባ ዝሃድን መደረታትን መግለፂታትን፣ ኣጉል መፅብዓታት ብገፊሑ ምንብድባድን

ርካሽ ተፈታውነት ምህናፅን፣ ዝዋጥዩን ዝውድስን ምሕብሓብ፣ ብመትከል ዝቃለሱ ምኹርኳም ድኽመታት

ዘይእርም ኩሉኻ ልክዕ ኢኻ ኢሉ ብስምዒት ዝሕዝ፣ ንኣመራርሓታት ብመደብን ውፅኢትን እንተይኮነ

ብቕርበትን ምትእስሳራትን ዝምዝን፣ ውልቀ ሰባት ልዕሊ ትካል ጌሩ ዝርኢ ኣራኣእያታትን ተግባራትን ኣብ

ኣመራርሓና ቀሊል ዘይበሃል ፀገም ‘ዩ። ‘ዚ ኣራኣእያ ስልጣን ብፀረ-ዲሞክራሲ ብምዕቃብ ናይ ስልጣን

ፅግዕተኛ ምብስባስ ዓብይ መሳርሒ ኮይኑ ኣመራርሓና ዝፈታተን ዘሎ ሕመቕ “ዩ።

2.2.6. መደምደምታ

ውድብናን ኣመራርሕኡን በቲ ክሳብ ሕዚ እናራኣናዮ ዝመፃእና ትሕዝቶ ፅግዕተኛ ምብስባስ ምኽንያት

ኣብ ጉዕዞ ገዛኢ ደርቢ ውሽጢ ‘ሎ። ”ዚ ጉዕዞ ዚ ሕዚ ጥራሕ እንተይኮነ ፀኒሑ ውን “ዩ። ኣብ መስርሕ

ምንቁልቋል ዝፀንሐሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን። ሓቢሮሞ ዝነበሩ ውድባት ሙሉእ ናይ ሰልፊ ለውጢ ጌሮም

ናብ ፅግዕተኛ ገዛእቲ ደርቢታት ተቐይሮም። ህወሓት ብምኽንያት ናይ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊን ውድባዊን

ዓቕሚን ህንፀትን፣ ብፀላእቲ ዘይዕሎ ምዃኑን፣ ኣብ ውሽጡ ብዘካየዶ ዘየሙውት ዘየሕዩ ቃልሲን ናይ

30

ተሞክሮ ዓቕሙን ኣብ ኵናት ምፅንሑን ከምኡ’ውን ገዛኢ ደርብነት ውን መስርሕ ስለዝኮነን ውድብና ቶሎ

ናብቲ ሙሉእ  ምብስባስ እንተይሰገረ ባዕሉ ኣርኪቡ ሎ። ግን ብፅግዕተኛ ምብስባስ ውድብና ክፈርስ ኣብታ

ጫፍ በፂሑ ይርከብ። ካብ ዝቃለሰሎም ዕላማታት እናወፀ ምስህዝቢ ዘተኣሳስሮ ገመድ የዕርዩ ናላሕለሐ

እናራሓቐ ደው ንዝብለሉ ህዝቢ ትግራይ እናገደፈ ናብ ፅግዕተኛ ናይ ባዕሉ ረብሓታት ኣትዩ “ዩ።

ስለዚ ድማ ኣመራርሓ ውድብና መሰረታዊ ናይ ኣሰላልፋ ሽግር ‘ዩ ገጢምዎ ዘሎ። ‘ዚ ናይ ኣሰላልፋ

ሽግር ኣብቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ናብ ፅግዕተኛ ገዛኢ ደርቢ ብምስግጋር ዘሎ ከይዲ እንትግለፅ፣ ኣብ

ካድረታት፣ ማእኸለዎትን ታሕተዎትን ኣመራርሓታት ድማ ዝሓዝካዮ ስልጣን ከም መድፍኢ ናብራን

መንበሪን ጌርካ ምርኣይ ዝግለፅ ፅግዕተኛ ምብስባስ ኮይኑ ዝወፀሉ እዋን “ሎና። ሕዚ እቲ ቐንዲ ሕቶ ናይ

ምዃንን ዘይምዃንን ‘ዩ። እቲ ወሳናይ ግጥም ኣብ መንጎ ምዃንን ዘይምዃንን ‘ዩ። ንምዃን ወሳናይ ደርባዊ

ቃልሲ እነካይደሉ እዋን “ዩ። ‘ዚ ይፍፀም ይዕወት ዶ? ብዘይጥርጥር ንምዃን ዘኽእሉ ጉዳያት ናይ መስመር

ሃፍቲ ሎ፤ ነዚ ዝተረደአ ዝተቐበለ ህዝቢ፣ ኣባልን ካድረን “ሎ። ገፊሕን ዓሚቕን ተሞክሮ “ሎ። ተጠሚሩ

ክዋሳእ ዝኽእል ይውሓድ ይብዛሕ ኣመራርሓ “ሎ። ስለዝኾነ ክንኮን ውን ኣለና ብሕታዊ ኣማራፂ “ዩ።

ክንኮን ዘግብር ዕድል ውን ገፊሕ ‘ዩ።

31

UMD Media

View all posts