መሓሪ ኻሕሳይ (መጋቢት 30፤ 2016 ዓም)

ኣብ ክለሳ ሓዱሽ ስርዓተ-ትምህርቲ (ካሪኩለም) ትግራይ ጠመተ ክወሃቦ ልቐረበ ፃውዒት መንቀሊ ሓሳብ

“ቋንቋ ትግርኛ ልዞም ኣብ ቕድሚኡ ተጋሕቲኖም ለለው  ፀገማት  ንምፍንፃሕ፡ ላዛ መቐለ ሃም መማእኸሊ ስርዓተ ትምህርቲ ተቐቢሉ፡ ብድሆታት ሸጊሩ ቐፃልነቱ ከረጋግፅ ይኽእል እዩ ልብል ሓሳብ፡ ዋና ነጥቢ እዙ ፅሑፍ እዩ። እዚ ኣገባብ ልትግርኛ ልዕቅብ  ጥራሕ ለይኾነስ፡ ካብ ልተፈላለየ ድሕረ ባይታ ላዛ ልመፁ ተምሃሮ፡ ሓድነት፣ ምርድዳእይ ምክብባርይ ክህልዎም ይገብር። ካብ ኹሎም ከባቢታት ትግራይ ተወፃፂኡ እተሰርሐ ላዛ ስለልኾነ፡ ተምሃሮ ምስ ነብሶምይ ከባቢኦምይ ከዛምድዎ ይቐሎም።  እዚ ድማ ልሐሸ ተሳትፎ ተምሃሮ፣ ልበለፀ ርድኢት፣ ልልዓለ ውፅኢት ትምህርቲ ክህሊ ይገብር። እዚ መፍትሒ  ካብ ብዙሕነት ላዛይ ባህላዊ ውክልናይ ልፍጠር ወጥሪ ንምፍታሕ ወሳኒ ስጉምቲ እውን  እዩ።  እዚ ኣገባብ ግቡእ ውክልናይ ንኹሉ ልሓቁፍይ ዕድል ልህብ ጥራይ ለይኾነስ፡ ንፈላላይቲ ሓይልታት ብምምካት፡ ስኒት ለለዎ ሕብረተሰብ ለማዕብል እዩ።”

UMD Media

View all posts