መጋቢት 8 2016 ዓም

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር  ትግራይ ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣፅዲቑ ኣብ ዝብል ናይ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ትግራይ ብ08 መጋቢት 2016ዓ.ም ዝተጠቀዐ ፀብፃብ ከምዝስዕብ ይብል፡

“ትማሊ 07 መጋቢት 2016ዓ.ኣማስዩ ዝተወደአ ኣኼባ ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣማኸአሪ ካውንስል ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ብዝርዝር ተመያይጡ ኣፅዲቕዎ ኣሎ።

እቲ ረቂቕ ደንቢ ንምድላው ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ትካላትን ሓሳብ ዝእክብን ዝውድብን ኣሰናዳዊት ኮሚቴ ወዲቡ እናሰርሓለ‍ኡ ከምዝመፀ ዝሓበረ እቲ ካቢኔ ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ብዕምቆት ብምርኣይን ንጭቡጥ ኩነታት ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታውን ምምሕያሻት ገይሩ ከፅድቖ ክኢሉ ኣሎ።

እቲ ደንቢ ንምድላው ነዊሕ እዋን ከምዝወሰደ ዝሓበረ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ናብ ተግባር ክሰጋገር ብምሳን ብሓላፈ‍እነት ዘተግብር መጣየሺ ከሚቴ እውን ሰይሙ ኣሎ።

እቲ ካውንስል ዕማማት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዝሓሸ መንገዲ ካብ ምፍፃም ብተወሳኺ ኩሎም ሓሳባት ትግራይ ዝስምዕሉ ኩነታት ብምፍጣር ኣብ ጉዕዞ ዴሞክራታይዜሽን ትግራይን ህዝባን መሰረት ከንፅፍ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት እውን ተነቢርሉ እዩ።

ቀንዲ ዕላማኡ መሰረታዊ ዕማማት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ምትግባር ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ድምፂ ብዝግባእ ክስምዑ ምግባር ኮይኑ ኣብ ገለ መዳያት ንመንግስቲ ካብ ምምኻር ሓሊፉ ናይ ውሳነ ሓሳባት ዝቕርበሉ፤ ኣብ ገለ ትካላት ድማ ውሳነታት ዝህበሉ መስሪሕ ከምዝተዘርግሐ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ።”

ኣባል ኮሚቴ ምጥያሽ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ  ፀሓፊ ቃለ-ጉባኤን

ነቲ ናይ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ፀብፃብ ስዒቡ  ኣባል ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ዝኾነን ንውድቡ ወኪሉ ኣባል ኮሚቴ ምጥያሽ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ፀሓፊ ቃለ-ጉባኤን ንዛ ኮሚቴ ዝኾነ የማነ ካሳ እቲ ፀዲቁ ዝተብሃለ ረቂቕ ደንቢ ኣመልኪቱ  ኣብ ፌስቡክ ገፁ ከምዝስዕብ ኢሉ ኣሎ፡፡

“ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ነጣይሽ ተባሂሉ ነዚ ዝዓይይ 10 ኣባላት ዘለውዎ ኮሚቴ ምጥያሽ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ቆይሙ:: ኣብዚ ኮሚቴ ውድባት ሳወት፣ ውናት፣ ዓረና፣ ዓሲምባ፣ ኣክሱማይ ዋዕላ፣ ባይቶና፣ ህወሓት፣ ወኪል ካቢኔ ግ/ም/ት፣ ወኪል ቤ/ፅሕፈት ፕረዚደንት ግ/ም/ትን  ንልዕሊ 80 ማሕበራት ወኪል ዝኾነ ማሕበር ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይን (ACSOT) ተሳተፍቲ ነይሮም::

ኣነ እውን ንውድበይ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብምውካል ኣባል እቲ ኮሚቴን ፀሓፊ ቃለ-ጉባኤን ኮይነ ንከባቢ 4 ወርሒ ዝተሳተፍኩ/ዘገልገልኩ ኮይነ እታ ኮሚቴ ድማ ኣብ ሕድሕድ ትሕዝቶ፣ ቅርፂን ዕላማን ሰፋሕቲ ምይይጣትን ክትዓትን እናካየደት ኣብ መወዳእታ ድማ ሓሳባት ብሓበራዊ ምርድዳእ ወይ ድማ ብውሳነ ዝኽምበተሉ መስርሕ ሓንፂፃ ክትሰርሕ ፀኒሓ::

ብከምዚ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢላ ኩሉ ሓላፍነታ ዝዛዘመት ኮሚቴ ቀፃሊ ዕላውነት እቲ ቤት ምኽሪ ግሁድ ንምግባር ግና ብሰንኪ ብግ/ም/ትን ካቢኔኡን ዝገበርዎ ምጉታት ክሳብ ትማሊ ጠጠው ኢላ ፀኒሓ::

ኣባላት እቲ ኮሚቴ ንኣባላት ካብኔ ብዛዕባ እቲ ዝበፅሖም/ቀዲሙ ዝተውሃቦም ብዓል 26 ገፅ ቃለ-ጉባኤ መብርሂ ንምሃብ ተባሂሉ ትማሊ ቀዳም ድሕሪ ሰዓት (9:00) ክንርከብ መልእኽቲ ተላኢኹልና:: ተረኺብና ድማ::

ኣመል ክሳብ መግነዝ ዝኾኖምን ፀበል ህወሓት ዝተለኸዮን ኣባላት ካቢኔ ግ/ም/ግን ካልእ ዘይንቡር ኣጀንዳ ሒዞም ፀኒሖምና:: ኣባላት ኮሚቴ ክበፅሖም ዘይተገበረን ኣብ ቃለ-ጉባኤ ዝሰፈሩ ውሳነታት እታ ኮሚቴ ዝደርበየን ካልእ ምስለኔያዊ ረቂቕ ደምበ መጣየሺ ‘ኣማኻሪ ካውንስል’ ዝብል ሒዞም ከፅድቑ ከም ዝኾነ ብምግላፅ ብዛዕባ እዚ ሰነድ ዝተወሰነ ገለፃ ተገበረ:: ኩሎም ኣባላት ካቢኔ እቲ ሓዱሽ ሰነድ ብHard Copy ዝተወሃቦም ኮይኑ ኣንሕና ግና ጓኖት ኮይንና ዝዛረብዎ ክንሰምዕ ተገብረ::

ኣንሕና ኣብቲ ኣኼባ ንምንታይ ከም ዝተረኸብና እንተሓተትና እውን ብዘሕዝን ድምፀትን ኣገላልፃን ‘ዝፀዋዕናኩም ክንነግረኩምን ክትሰምዑናን እዩ’ ክብሉ ሓላፊ ዴሞክራይታይዘሽን ዝኾኑ ጀ/ፃድቃን ነገረና:: ንሕና ውን ኣብ ናይ ካቢኔ ኣኼባ እሞ ድማ ሕጊ ከፅድቕ ኣብ ዝተኣከቀሉ መድረኽ ታይ ክንገብር ኢልና ካብቲ ኣኼባ ወፃእና::

…… ካብቲ ዝተነበበልና/ዝተገለፀልና ምስለኔያዊ ሰነድ ነቲ ብመዳለዊት/መጣየሺት ኮሚቴ ዝቐረበ ሓሳብ ዝደርበየሉ ሓቂ ንምግላጽ ሓደ ክልተ ነጥብታት ክጠቕሰልኩም::

1. ስያመ ዝምልከት “ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ” ዝብል ናብ “ኣማኻሪ ካውንስል” ዝብል ቀይርዎ

2. ሓደ ዕላማ እቲ ቤት ምኽሪ ክኸውን ዝተወሰነ “ስምምዕ ፕሪቶርያ ተፈፃሚ ክኸውን ምስራሕ” ዝብል ክተርፍ ተገይሩ

3. ካብተን ክህልዋ ዝተወሰና 7ቀወምቲ ኮሚቴታት እቲ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ “ኮሚቴ ምርግጋፅ ፍትሕን ተሓታታይነትን ጄኖሳይድ ትግራይ”ኮሚቴ ምምላስን ምውሓስን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ”ዝብላ ወሰንቲ ኮሚቴታት ክውገዳ ተገይሩ::

3. ብፅሒት ውክልና ውድባት ፖለቲካ ብዝምልከት ካብ ጠቕላላ በዝሒ ወንበር (101) እቲ “70% ንውድባት ማዕረ ይሽንሸን” ዝብል “48 ሰባት ካብ ህወሓት፤ ውድባት ሳወት፣ ውናት፣ ዓረናን ባይቶናን ሕድሕደን 6 ሰባት፤ ዓሲምባን ኣክሱማይ ዋዕላን ድማ ሕድሕደን 3 ሰባት” ናብ ዝብል ጨወያ ተወሲዱ::

ኣብ መወዳእታን…ብዘሕዝንን ብዘደምምን መንገዲ “ውድብ ህወሓት 48 ወንበራት ይግበኣ እዩ:: ህወሓትን ባይቶናን ማዕረ ክኾኑ ኣይኽእሉን” በሉ ም/ፕረዝደንትን ሓላፊ ጉዳያት ዴሞክራታይዘሽንን  ዝኾኑ ጀ/ፃድቃን ገፃም ብፀጋማይ ጎኖም ናብ  ዝነበሩ ወኪል ውድብ ባይቶና ግልፅ እናበሉ፡፡

….እቲ ዝተለመደ ናይ ምጭብርባር ኣከያይደኦም ሐዚ ውን ብምቕፃል “ዝተፈላለያ ኣካላት ዝተሳተፍሉ’ ክብሉ እተን ውድባት ነዚ ምሰለኔኣዊ ሰነድ/ሕጊ ከም ዝተቐበለኦ ክገልፁ ፈቲኖም ኣለዉ::

ኣባላት ኮሚቴ ምጥያሽ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ዝተፈራረሙሉ ቃለ-ጉባኤ

UMD Media

View all posts