ዶ/ር ገብረሚካኤል ገብረመስቀል ዘርኣፅዮን

Dec 07, 2023

ሀ) መእተዊ

ድሕሪ ናይ ልዕሊ 2 ዓመት ዂናት ፅንተትን ዘኸተሎ ኹለንትናዊ ዕንወትን፣ ሐዚ ‘ውን ትግራይ ኣብ ዳግመ ህንፀት ዘይኮነስ ኣብ ሰላሕታዊ መንገዲ ዕንወት ትርከብ። መሪሕነት ትግራይ ካብ ድሮ ምጅማር ዂናት ፅንተት ጀሚሮም ዝነበሩ ሕድሕድ መድረኻት ቓልሲ ማለት’ውን ቕድሚ ዂናት፣ እዋን ዂናትን ድሕሪ ዂናትን ዝነበሩን ዘለዉን መድረኻት ኹሎም ናይ ስዕረትን  ዕንወትን መድረኻት ኾይኖም ክዛዘሙ ገይሩን ይገብር ኣሎን። ቕድሚ ምጅማር ወፍሪ ፅንተት ከም መንግስቲ መጠን ንህዝቡ ክከላኸል ዘኽእሎ ምድላው ብዘይምግባር፣ ኣብ እዋን ዂናት ወፍሪ ፅንተት ነቶም ወትሃደራዊ ዓወታት ብፖለቲካዊ ድኽመታትን ሽፈጣትን ብምሕንሻሽ፣ ድሕሪ ውዕሊ ሰላም ድማ እታ ዘላቶም ውስንቲ ዓቕሚ ኣብ ክንድ ንዳግመ ሕወየትን ንዘላቒ መወፃፅኦን ምጥቃም ንስልጣንን ጉጅለኣውን ውልቃውን ረብሓታትን ብምውዓል ንኹለን መድረኻት ቓልሲ ሓንሺሾመን እዮም። ከምዚ ክኸውን ካብ ዘኽኣሉ ብዙሓት ምኽንያታት ኣቶም ቀንዲ፥

  1.  እቲ መሪሕነት ፍፁም ብቕዓት ዘይብሉ እኽብካብ ናይ ኔትዎርክ ብምዃኑ።
  2. ዕላማ እቲ መሪሕነት ምስ ዕላማ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ዘይኸይድ ግን ድማ ዕላምኡ ብዕሊ ንምግላፅ ቕንዕና (Integrity) ዘይብሉ መሪሕነት ብምዃኑ።
  3. ብልሽውና ካብ እግሩ እስካብ ርእሱ ዝወሓጦ መሓውር መሪሕነት ብምዃኑ ይርከብዎም።

ናይዚ ፅሑፍ ዕላማ ግና ውድቀታትና ተንቲናካ ምርዳእ ወይ ‘ውን ንውድቀትና ምኽንያት ዝኾኑ ድኽመታት መሪሕነትና ተንቲንካ ምርድእ ኣይኮነነ። ይንኣስ ይብዛሕ ኣብዙ ጉዳይ እዚ ኣብዙ ሐዚ እዋን ኣብ ህዝብና እኹል ርድኢት ኣሎ እዩ ምባል ይከኣል እዩ።  ናይዚ ፅሑፍ እዚ ትኹረትን ዕላማን፣ ኣብ ህዝብና ብዛዕባ እቲ ፀገምን ምኽንያታቱን መጠናዊ ወይ  እኹል ክበሃል ዝካኣል ርድኢት እናሃለወ ንምንታይ እስካብ ሐዚ መፍትሒ ክመፅእ ዘይኽኣለ ዝብል እዩ። 

መፍትሒ ንምንታይ ክመፅእ ዘይካኣለ ኢልና ቕድሚ ምሕታትና ግና እቲ መፍትሒ እንታይ ምዃኑ ሓበራዊ መርገፂ ምሓዝ የድሊ።  መብዛሕትኡ ህዝብና ናይ ውድቀትና ቐንዲ ምኽንያት ደጋጊሙ ሒዙና ዝወደቐ መሪሕነት ምዃኑ ዋላ ‘ኳ ርድኢት እንተሃለዎ ኣብ መፍትሒኡ ግና እዚ ዝበሃል ብመብዛሕትኡ ህዝብና ዝተበፀሐ ሓበራዊ ርድኢት ኣሎ ክበሃል ኣይካኣልን። ካብቶም መፍትሒታት ተባሂሎም ብብዙሓት ልሂቃት ተጋሩ ዝፅርሑ ሓደ ናይ መሪሕነት ለውጢ ምግባር (ነቲ ደጋጊሙ ናብ ውድቐት ሒዙና ዝኸይድ መሪሕነት ምቕያር) ዝብል  እዩ። እዞም ነዚ መፍትሒ እዚ ዝወሰዱ ተጋሩ ገሊኦም ኣብ ተነሓናሕቲ ውድባት፣ ገሊኦም ኣብ ስቪል ማሕበራት ገሊኦም ካዓ ብውልቅኦም ዕላምኦም ንምስኻዕ ኣብ ስራሕ ኣለው።  እዚ ፅሑፍ ክምልሶ ተደልዩ ዘሎ ሕቶ ካዓ እቲ ትኽክለኛ መፍትሒ ሽግርና እንታይ እዩ ዝብል ዘይኮነስ እቶም  ለውጢ ፖለቲካዊ መሪሕነት ከም ፍታሕ ዝወሰዱ ኣብ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ዘለዉ ተጋሩ ንምንታይ እቲ ፍታሕ (ለውጢ) ከምፅእዎ ዘይካኣሉ? ወይ ‘ውን ንምታይ ዕላምኦም ከሳኽዑ ዘይከኣሉ ዝብል እዩ። ሰለዚ እዚ ፅሒፍ እዚ መፍትሒ ሽግርና ለውጢ ፖሊትካዊ መሪሕነት እዩ ዝብል ሓሳብ ተቐቢሉ ዝኸይድ ስለዝኾነ ነቶም ካብዚ ዝተፈልየ ፍታሕ ዘለዎም ዝምልከት ኣይኮነን። እዚ ፅሑፍ እዚ ነቶም ለውጢ ፖለቲካዊ መሪሕነት ከም ፍታሕ ዝወስዱ መዳርግቲ ኣካላት ማለት’ውን ብቐንዱ ተነሓናሕቲ ውድባት ከምኡ ‘ውን ግን ን ኣብ ለውጢ ዝኣምኑ ስቪል ማሕበራት ዝምልከት እዩ። 

ለውጢ ንምንታይ ዘይመፀ ኢልና ቕድሚ ምግምጋምና ለውጢ ኣብ ምምፃእ ዘለዉ ናይ ቓልሲ ምዕራፋት ኣሕፅር ኣቢልና ንርአ። ለውጢ ክተምፅእ መጀመርታ እቲ ዘሎ ኹነታት(status quo) ክቕየር ከምዘለዎ ንህዝቢ ከተረድእ ኣለካ። እዚ ማለት ንምንታይ እቲ ዘሎ ኹነታት ክቕየር ከምዘለዎ፣ ናብምንታይ ኸ ክቕየር ከምዘለዎ ንህዝቢ ክተምህሮን ክተእምኖን (ፍልጠት ክተዕጥቖ) ኣለካ ማለት እዩ። እዚ ናይ መጀመርታ መድረኽ ቓልሲ እዩ፣ ምዕራፍ 1 ናይ’ቲ ቃልሲ ክንብሎ ንኽእል። እዚ ምዕራፍ እዚ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት እቲ ዝኸበደ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ እዩ። ካብቶም ነዚ ምዕራፍ ዝኸበደ ዝገብርዎ ነገራት እቲ ሓደ ደቂ ሰባት ብተፈጥሮኦም ለውጢ ዝፈርሑን status quo ክቕፅል ዝድለዩን ብምዃኖም እዩ።  ህዝብና ካዓ ብፍላይ  “ካብያ ዘይትፈልጦ መልኣኽስ እትፈልጦ ሰይጣን” ኢሉ ዝኣምን ምስምዃኑ እዚ ምዕራፍ ዝበለፀ ኸቢድ ይገብሮ ማለት እዩ። ካልእ ክጥቀስ ዝኽእል ምኽንያት ክዓ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ኹሉ ግዜ ዝሓሸ ናይ ፕሮፖጋንዳን ጉልበትን ዓቕምታት ስለዘለዎ ነቲ ናይ ለውጢ ሓሳባት ናይ ምዕፋን ይኹን ምምካን ተኽእልኡ ልዑል ብምዃኑ እዩ። ከምዚ ዝኸበደ ምዕራፍ በዲህኻ ንህዝብኻ ፍልጠት ኣዕጢቕካን ኣእሚንካን ‘ውን ግን እቲ ቓልሲ ገና ኣብ መፈለምእትኡ እዩ ክኸውን ‘ምበር ኣይዛዘምን። ምኽንያቱ ድማ ፍልጠትን እምነትን ጥራይ ንደቂ ሰባት ባህሪኦም ስለዘይቕይሮም (ናብ ተግባር ሰለዘየእትዎም)። knowledge only doesn’t bring about a change in behavior። ስለዝኾነ ህዝብኻ ኣብ ኣድላይነት ለውጢ እኹል ፍልጠት ምስኣትሓዝካዮን ምስኣእመንካዮን ‘ውን ህዝቢ ናብ ናይ ተግባር ቓልሲ ኣይኣቱን። ህዝቢ ናብ ናይ ተግባር ቓልሲ ክኣቱ ንምግባር ካልእ ዝቕፅለ ቓልሲ የድለካ፣ እዚ ካዓ ካልእ ካልአዋይ ምዕራፍ ወይ ምዕራፍ 2 ክንብሎ ንኽእል። ኣብዚ ምዕራፍ እዚ እቲ እቱ status quo ንምንታይ ክቕየር ከምዘለዎ ፍልጠት ዓጢቑ፣ ለውጢ ክመፅእ ከምዘለዎ ዝኣመነ ህዝቢ ግን ድማ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብተግባር ነቲ ለውጢ ከምፅእ ናይ ተግባር ቃልሲ ዘይገብር ዘሎ ህዝቢ ናብ ተግባር ክኣቱ ዓሊምካ ዝግበር ቓልሲ እዩ። ኣብዙ ምዕራፍ እዚ እቲ ህዝቢ ኣብ ኣድላይነት ለውጢ ኣሚኑ ከብቅዕ ብተግባር ዘይቃለሰሉ ምኽንያታት እንታይን እንታይን እዮም ኢልካ ነቶም ምኽንያታት ዘርዚርካ ብምውፃእ ሕድሕድ ምኽንያታት ከመይ ክስበሩ ከምዘልዎም ስትራተጂ ኣውፂኻ ምቅላስ ዘድልየሉን ናይ መራሕቲ ተራ ጎሊሁ ዝረኣየሉን ምዕራፍ እዩ። 

ኣብ ሓደ ነገር እኹል ፍልጠት ዝሓዘን ዝኣመነን ህዝቢ ንምንታይ ነቲ ዝኣመነሉ ነገር ብተግባር ክቃለሰሉ ዘይኽእል ዝብል ሕቶ ናይባዕሉ መፅናዕቲ ዘድልዮ፣ ብኣውርኡ ካዓ ምስቲ ናይቲ ቓልሲ ትሕዝቶን ናይቲ ህዝቢ ባህልን ተታሒዙ ብዓውዲ (context) እቲ ኹነታት ክግምገም ዘልዎ ነገር ዋላ እንተኾነ ሓፈሻዊን ወድዓውን ዝኾኑ ገለ  ምኽንያታት ግን ክንጠቅስ። ዝኾነ ሰብ ዝኾነ ነገር ክቕየር ኣለዎ ኢሉ ዋላ እንተኣመነ እቲ ነገር ምስተቐየረ ካብቲ ሐዚ ዘሎ ኹነታት ዝሓሸ ከምዝኸውን እንተዘይኣሚኑ ብተግብር ነቲ ኹነታት ክቕይሮ ኣይሰርሕን፣ ብፍላይ ካዓ እቲ ነገር ንምቕያር መስዋእቲ ዝሓትት እንተኾይኑ። እዚ ናብ ፖለቲካ ክነምፅኦ ከለና፣ ሓደ ህዝቢ እቲ ሐዚ ዘሎ ስርዓት ክቕየር ኣለዎ ኢሉ ዋላ እንተኣመነ ካብቲ ሐዚ ዘሎ ኣዝዩ ዝሓሸ ስርዓት ከምፁለይ እዮም ኢሉ ዝኣመነኦሎም መራሕቲ እንተዘይሪኡ ነቲ ዘሎ ስርዓት ክቕይሮ ናይ ተግባር ስራሕ ኣይሰርሕን። ናይ ተነሓናሕቲ ውድባት ወይ ‘ውን ነቲ ላይ ለውጢ ምንቅስቓስ ዝመርሑ መራሕቲ ግደ ካዓ ኣብዚ እዩ ብዓብይኡ ዝመፅእ። ነቲ ህዝቢ ንሳቶም ዝሓሸ ስርዓት ክህብዎ ምዃኖም ከእምንዎ ኣለዎም። 

ቐፂሉ ዝመፅእ ናይ ቓልሲ ምዕራፍ፣ ምዕራፍ 3 ክንብሎ ንኽእል ኾይኑ እንተስ ብሰለማዊ ሰልፊ፣ እንተስ ብ ናዕቢ እንተስ ብ ዂናት ወዘተ ህዝቢ ሒዝካ ዝግበር ናይ ተግባር ቓልሲ ኾይኑ ነቲ ቓልሲ ስዒርካ ምውፅእ ካዓ ቐንዲ ዕላማ ይኸውን ማለት እዩ።

4ይ ን ናይ መወዳእታን ምዕራፍ ናይ ቓልሲ ካዓ ተዓዊትካ ምስወፃኻ ነቶም ንህዝብኻ ቃል ዝኣተኻሎም  ዕላማታት ምትግባር ይኸውን ማለት እዩ።

ከምዚ ነቶም ምዕራፋት ቓልሲ ካብርኣናዮም ሐዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣበየናይ ናይ ቓልሲ ምዕራፍ ከምዘሎ ንርአ። ንመብዛሕትና ከረዳድአና ዝኽእል ነገር እንተሎ ኣብዙሐዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ብዛዕባ እቲ ዘሎ ሽግርና፣ ንምንታይ ካብ ሽግርና ክንወፅእ ከምዘይከኣልና ወዘተ እኹል ፍልጠት ሒዙ እዩ ምባል ይከኣል። ከም መፍትሒ ድማ እቲ ዘሎ ኹነታት (status quo) ክቕየር ከምዘለዎ፣ እዚ ዘሎ ኹነታት ካዓ እቲ ደጋጊሙ ሒዙና ዝወደቐ መሪሕነት ወይ ስርዓት ኣብ ስልጣን ከሎ ክቕየር ከምዘይኽእል ዝበዝሕ ህዝብና ይኣምን እዩ። እዚ ማለት እቲ ዝኸበደ ዝበልናዮ ናይ ቓልሲ ምዕራፍ፣ ምዕራፍ 1 ተዛዚሙ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ምዕራፍ ክዛዘም ዝኸኣለ ግን ተቓለስቲ ንህዝብና ኣፍሊጦሞን ኣእሚኖሞን ዘይኮነስ ህዝብና ብድኽመት መሪሕነት እልፊ ኣእላፍ ሂወት ምስኸፈለ፣ ንብረቱን ዓዱን ምስዓነወ፣ ፖለቲካዊ ድኽመት መሪሕነትና ዘኽፈሎ ረዚን ዋጋ ብተግባር ምስረኣየ እዩ። ስለዚ ብኣብዛሓ ሚዛን እንተሪኢናዮ ሐዚ ሕዝቢ ትግራይ ምዕራፍ ሓደ ዛዚሙ ምዕራፍ 2 (ናይ ተግባር ቃልሲ) ግና ዘይጀመረሉ ኹነታት እዩ ዘሎ ማለት እዩ። ናይ ተግባር ቓልሲ ንኽገብር ድማ ኣብ ላዕሊ ከምዘቐመጥናዮ ናይ ምዕራፍ 2 ቓልሲ የድሊ ኣሎ ማለት እዩ።

ሐዚ ናብ ዋና ጉዳይና ክንምለስ ከለና እቲ ሕቶ ናይ መሪሕነት/ስርዓት ለውጢ ንምንታይ ዘይመፀ ዝብል እዩ። እቲ መልሲ ካዓ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ስርዓት ንምልዋጥ ብተግባር ይቃለስ ስለዘየሎ ዝብል እዩ። ህዝቢ ትግራይ ብዛዕባ እቲ ዘሎ ሽግራት እኹል ፍልጠት ሒዙ እናሃለወ ከምኡ ድማ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ከይተቐየረ እቲ ሽግር ከምዘይፍታሕ ኣሚኑሉ ናሃለወ ንምንታይ እዩ ነቲ ስርዓት ክልውጥ ብተግባር ዘይቃለስ ዝብል ሕቶ ካዓ ዋና ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ማለት እዩ።

ንምንታይ ዝብል ሕቶ ቕድሚ ምምላስና ህዝቢ ትግራይ ንለውጢ ናይ ተግባር ቓልሲ ዘይምግባሩ መን እዩ ተሓታቲ ዝብል ሕቶ ምምላስ ሓጋዚ ኽኸውን እዩ ። ኣብዙ ፖለቲካዊ ለውጢ ናይ ምምፃእ ምዕሪት እዚ 3 መዳርግቲ ኣካላት ኣለዉ። ንሳቶም ካዓ ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓትን ነቲ ስርዓት ክልውጥዎ ዝደልዩ ደለይቲ ለውጥን እዮም። ካብዚኣቶም ለውጢ ንዘይምምፅኡ መን እዩ ተሓታቲ? ተሓታቲ ክንብል ከለና ናይ መን ጉድለት እዩ ንምባል ደኣ’ምበር ናይ ሕጊ ተሓታትነት ከምዘይኮነ ንኹሉ ብሩህ ክኸውን ኣለዎ። 

መን እዩ ተሓታቲ ዝብል ሕቶ ንምምላስ እዚ ዝስዕብ ንርአ። ለውጢ ክመፅእ እንተኾይኑ ብደለይቲ ለውጢ‘ምበር በቲ ዘሎ መሪሕነት ክኸውን ከምዘይኽእል ንኹሉ ርዱእ እዩ። ስለዚ ናይ ስርዓት ለውጢ ንዘይምምፅኡ እቶም ናይ ስርዓት ለውጢ ከምፅኡ ዝቃለሱ ‘ምበር እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ተሓታቲ ከምዘይኸውን ምኽንያታውነት (logic) ዝእዝዞ ሓቂ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ማ ልክዕ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ትግራይ ብኣይን በዚ ናተይ ኣተሓሳስባን እንተተማሓዲራ እያ ትርባሕ ኢሉ ዕላማ ኣውፂኡ፣ ስትራተጂ ሓንፂፁን መሓውራት ዘርጊሑን እናሰረሐ ባዕሉ ንባዕሉ ካብ ስልጣን ክኣሊ ወይ ‘ውን ካብ ስልጣን ክእለ ፍቓደኛ ክኸውን ኣይትፅበዮን። ብመሰረቱ ፈትዩ ስልጣኑ ኣሕሊፉ ዝህብ ውድብ ይኹን ውልቀሰብ ኣብ ዓለም ብፍፁም የለን።  እንተስ ብሕጊ፣ እንተስ ብፀቕጢ ህዝቢ፣ እንተስ ብብረት ተገዲዱ ጥራይ እዩ ፖለቲከኛ ስልጣን ዝለቅቕ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ካብ ስልጣን ንዘይምእላዩ ተሓታቲ ክኸውን ኣይኽእልን። ሓደ ሓደ ሰባት ሕመቓት እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ እናልዓሉ ለውጢ ናይ ዘይምምፅኡ ከም ምኽንያት ከቕርቡ ይርኣዩ እዮም። ንኣብነት ኢዴሞክራስያውን ጨፍላቕን ባህሪ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ነቲ ሓይሊ ከይንኣልዮ ዓንቂፉና ዝብሉ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ነገር ግን ኢዴሞክራስያውነት እቲ ሓይሊ ካብቶም መበገሲ ቓልስኻ (እዚ ሓይሊ ክእለ ኣለዎ መበሊኻ) ሓደ እናሃለወ ተመሊስካ ካዓ ከም ዕንቅፋት ክተምፅኦ ኣይግባእን፣ ንሱ ድኣ ከምኡ ስለዝኾነ እንዲኻ ግዲ ነቲ ሓይሊ ክትኣልዮ ዝተበገስካ።  ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ዘሎ ስርዓት ንምልዋጥ ንዘይምቅላሱ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ተሓታቲ ኣይኮነነ ክኸውን ‘ውን ኣይኽእልን።

ብኣንፃሩ ደለይቲ ለውጢ ዕላምኦም ናይ ስርዓት ለውጢ ንምምፃእ እስካብ ዝኾነ ግዜ እቲ ዕላማ እንተዘይተሳኺዑ ብውድቀት ዕላምኦም ተሓተቲ እዮም። ብፍላይ ናብ ናይ ትግራይ ጉዳይ ክንመፅእ ከለና፣ እቲ ህዝቢ ኣብ ኣድላይነት ለውጢ ኣሚኑ እናሃለወ ነቲ ለውጢ ግሁድ ንምግባር ግን ብተግባር ዘይቃለሰሉ ኹነታት እዩ ዘሎ። እዚ ማለት እቲ ህዝቢ ነቲ ሐዚ ዘሎ ስርዓት ለዊጥካ ዝመፅእ ኹነታት ካብቲ ሐዚ ዘሎ ከምዝሓይሽ ብምሉእ ልቢ ኣይኣመነን ወይ ‘ውን እቶም ዘለዉ ናይ ለውጢ መራሕቲ ነቲ ናይ ለውጢ ቓልሲ ከዕውትዎ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ኣይኣመነን ዘሎ ማለት እዩ። ድሕሪ ምእላይ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ዝሓሸ ኹነታት ከም ዝመፅእ፣ ነቲ ናይ ለውጢ ቓልሲ ካዓ ናብ ዓወት ናይ ምምራሕ ብቕዓት ከምዘለዎም ነቲ ህዝቢ ናይ ምእማንን ሕልሚ ናይ ምሻጥን ሓላፍነት ካዓ ምሉእብምሉእ ኣብ ልዕሊ ናይ ለውጢ ተቓለስቲ እዩ ዝወድቕ። ስለዚ እቶም ናይ ለውጢ ተቓለስቲ ነቲ ህዝቢ ንሳቶም ካብቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ከምዝሕሹ ኣየእመንዎን፣ እቲ ኹነታት ‘ውን ብድሕሪ ለውጢ ከመይ ከምዝመሓየሽ ሕልሚ ኣይሽጥሉን ወይ ‘ውን ክሸጡ ፈቲኖም ህዝቢ ኣይገዘኦምን። ነቲ ህዝቢ ከእምንዎ ዘይኸኣልሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ ደሓር ክንምለሶ ኢና፣ ነገር ግን ህዝቢ ትግራይ ንለውጢ ንዘይምቅላሱ ምሉእ ሓላፍነት ዝወስዱ ናይ ለውጢ ተቓለስቲ ምዃኖም ምርዳእ የድሊ

 ናይ ለውጢ ተቓለስቲ እንታይ እንታይ ድኽመታት ስለዘለዎም እዮም ንህዝቢ ትግራይ ኣእሚኖም ከቃልስዎ ዘይኽኣሉ ዝብል ድማ ቐፂልና ንርአ። ናይ ለውጢ ተቓለስቲ ክንብል ከለና ብቐንዱ ተነሓናሕቲ ውድባት፣ ካብኡ ድማ ናይ ለውጢ ማሕበረሰባዊ ምንቅስቕሳትን ከምኡ ‘ውን ምሁራትን የጠቓልል።

ለ) ድኽመታት ተነሓናሕቲ ውድባት

ዕላማ ናይዚ ፅሑፍ ለውጢ ንዘይምምፅኡ እቲ ዋና ሽግር ኣበይ ከምዘሎ ንምምልኻት እምበር ናይ ተነሓናሕቲ ውድባት ድኽመታት እንታይ እንታይ ምዃኖም ዘርዚርካ ምርድእ ስለዘይኮነ ኣብዚ ዝተጠቐሱ ከም መርኣያ ዝኾኑ ውሱናት ንጥብታት ጥራይ ምዃኖም ምርድእ የድሊ።

ድኽመታት ተነሓናሕቲ ውድባት እቶም ቐንዲ ቐንዲ ከምዝስዕብ ምጥቕላል ይከኣል።

  1. ሕፅረት ተወፋይነት (lack of dedication) 

Dedication: devotion to achieve a desired outcome, going above and beyond to achieve your goal.

ተወፋይነት ኣብ ቓልስኻ ንክትዕወት ካብቶም ወሰንቲ ቀንዲ ረቛሒታት ሓደ እዩ። ተወፋይነት በቲ ሓደ ወገን ነቶም ዕላማኻ ንምስኻዕ እትገብሮም ዕማማት ብኣግኡን ብዝበለፀን ኣገባብ ንክትውግን ኽሕግዘካ ከሎ በቲ ካልእ ወገን ድማ እቲ ለውጢ ክተምፀሉ እትደሊ ህዝቢ ቖላሕታ ንክገብረልካ, ከም ኣብነት ንክሪአካ፣ ንክኣምነካን ኢሉ ‘ውን ከም መራሒ ንኽሪአካን ዕዙዝ ተራ ይፃወት።  ዝገበርካ እንተገበርካ ህዝቢ እስካብ ዘይኣመነካን ከም መራሒ ዘይረአኣየካን ዝመፅእ ለውጢ የለን። ስለዝኾነ ድማ ተውፋይነት ኣመራርሓን ኣባላትን ናይ ሓደ ናይ ቓልሲ ምንቅስቓስ ወይ ‘ውን ውድብ መተካእታ ዘይብሉ ረቛሒ እዩ ምባል ይከኣል። 

ናብ ተነሓናሕቲ ውድባት ትግራይ ክንመፅእ ከለና ህዝብና ንተነሓናሕቲ ውድባት እስካብ ሐዚ ቖላሕታ ኣይገበረሎምን ዘሎ፣ ኣይኣመኖምን ዘሎ፣ ከም መራሕቲ ኣይረኣዮምን ዘሎ። ህዝብና ነዞም ውድባት ዘይኣመኖምን ከም መራሕቲ ዘይረኣዮምን ምኽንያት እቲ ሓደ፣ ህዝብና ነዞም ተነሓናሕቲ ውድባት ነቲ ዝደለይዎ ከሳኽዑ ቀትርን ለትይን ብዘይነፅፍ ተወፋይነት relentlessly ክሰርሑ ስለዘይረኣዮም እዩ።  

እዚ ንምርዳእ ሓደ ኣብነት ክንጠቅስ። ተነሓናሕቲ ውድባት ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዝፀውዑለን ኣጋጣሚታት እንተርኢና፣ ሓደ መዓልቲ ሰልፊ ይፅዋዕ፣ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ብሓይሊ ይብትኖ፣ ኣመራርሓታት ካዓ ይኣስሮም። ብድሕሪኡ በቃ ነገራት የብቅዕ፣ ቐፃልነት የብሉን። ንኣዋርሕ ሰልፊ የለ ገለ የለ። ተወሊዑ ዝነበረ ናይ ቓልሲ ሃልሃልታ ካዓ ይቕህም። ህዝቢ ካዓ ከምዚ ቐፃልነት ዘይብሉ ሰልፊታት መእሰሪኡ ድኣ ‘ምበር ለውጢ ከምዘየምፅእ ስለዝፈልጥ ኣብ ሰልፊታት ክሳተፍ ኣይደልን፣ ብሓፈሻ ኣብቲ ቓልሲ ‘ውን ከምኡ። 

ክኸውን ዘለዎ ግና፣ ሓደ ግዜ ስለፊ ገይርካ መንግስቲ ብሓይሊ ምስበተኖን ኣመራርሓታትን ኣተሓባበርቲ እቲ ሰልፊ ድማ ምስኣሰሮምን ተመሊስካ ንፅባሒቱ ስለፊ ክትገብር ኣለካ። ከይተኣሰሩ ዝተረፉ ኣመራርሓታትን ኣተሓባበርትን እንተልዮም ንፅባሒቱ ተመሊሶም ወፅዮም፣ ናይ ብፆቶም ማእሰርቲ ‘ውን ከም ተወሳኺ ኣጀንዳ ወሲኾም ይስለፉ። ኹሉ ተኣሲሩ ዝተረፈ ኣብዘይብሉ እዋን ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስተፈትሑ ኣብ ዝተፈትሕሉ ማዓልቲ ሰልፊ ፀዊዕም እንደገና ይስለፉ። ብሓፂሩ ነቲ ስርዓት መተንፈሲ ግዜ ከይሃብካ፣ እቲ ዝተወለዐ ስምዒታት ከይቕሃመ ደደጋጊምካ ስራሕካ ምስራሕ፣ relentless ምዃን። ከምዚ ክትገብር ከለኻ ሓደ ንዕላማኻ ዘለካ ፅንዓትን ተወፋይነትን ሪኡ እቲ ቓልሲ ቐጻልነት ከምዘለዎ ብምእማን ህዝቢ ይስዕበካ ካልእ ካዓ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ተሰለፍቲ ሰለማዊ ሰልፊ ብተደጋጋሚ ዝገብሮ ግፍዕታት ኣሕሪንዎ ህዝቢ ክኽተለካን ሓቢሩካ ክቃለስን ይጅምር ማለት እዩ። 

  1. ንመስዋእቲ ድሉው ዘይምዃን

ይትረፍ ኣብ ዓድና ኣብዛ ስልጥንቲ ዓለም ‘ውን እንተኾነ ፈትዩ ስልጣኑ ኣሕሊፉ ብምሃብ ንለውጢ በሪ ዝኸፍት ብዓል ስልጣን ወይ ገዛኢ ውድብ የለን። ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ኹሉ ግዜ ተገዲዱ እዩ ስልጣኑ ኣሕሊፉ ዝህብ። ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ቐየድቲ ሕጊታት ኣገዲዶሞ፣ ኣብ ገለ ካልኦት ሃገራት ካዓ ህዝባዊ ቑጠዐን ጉልበትን ኣገዲዶሞ እዩ ስልጣኑ ኣሕሊፉ ዝህብ። 

ኣብ ከም ዓድና ዝበለ ጨና ዴሞክራሲ ዘይብሉ ዓዲ፣ ለውጢ ንምምፅእ ኣብ እትቃለሰሉ እዋን መስዋእቲ ክሓተካ ግድን እዩ። ካብ መጀመርትኡ ንቃልሲ ክትብገስ ከለኻ እዚኣ ፈሊጥካን ተቐቢልካን ክኸውን ኣለዎ። እንተዘይኾይኑ ኣብ ቓልሲ ዘይምእታው ወይ ‘ውን ኢቀጥታዊ ሓጋዚ ናይ ቃልሲ ጥራይ ምዃን። 

ኣብ ትግራይ ዘለዉ ተነሓናሕቲ ውድባት፣ ኣባላተንን ኣመራርሓታተንን ንመስዋእቲ ድሉው ናይ ዘይምዃን ሽግር ኣሎ። ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ናይ ሰለማዊ ሰልፊታት ኣብነት እኳ እንተርኢና፣ ሓደ ግዜ ገዛኢ ስርዓት ነቲ ስለፊ ብሓይሊ ምስበተኖን ገለ ሰባት ምስኣሰረን እቶም ዝተረፉ ኣመራርሓን ኣባላትን እተን ውድባት ማእሰርትን መውቃዕትን ተቐቢሎም መሊሶም ሰልፊ ክገብሩ ኣይረኣዩን። ኣብዚ ክንሕዞ ዘለና ጉዳይ፣ እቲ ትኽክለኛ ለውጢ ዘድልየሉ ምኽንያትን ዕላማታትን ከምዘሎ ኮይኑ ንህዝቢ ብማዕበል ናብ ቃልሲ ካብ ዘእትውዎ ተወስኽቲ ነገራት ሓደ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝገብሮም ግፍዒታትን በደላትን እዮም። እዞም ግፍዒታት እዚኣቶም ምስዝደጋገሙ፣ እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ካዓ በቶም ግፍዒታት ምስዘይስኮኑ፣ ህዝቢ ስምዒታት እናማዕበለ ነቲ ቓልሲ ክፅምበሮ ይጅምር ማለት እዩ። ስለዚ ኣባላትን ኣመራርሓን ተነሓናሕቲ ውድባት፣ ናይ መውቃዕትን ማእሰርትን መስዋእቲታ ቕቡል ጌሮም ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት መተንፈሲ ክኸልእዎን ንህዝቦም ካዓ ናይ ብሓቒ ንህዝቦም ለውጢ ንምምፃእ እስካብ ናይ ሂወት መስዋእቲ ክኸፍሉ ድሉዋት ምዃኖምን ብተግባር ከሪእዎ ኣለዎም።  

  1. ናይ ዓቕሚ ጉድለታት

ተነሓናሕቲ ውድባት ትግራይ፣ ንፁር ዕላማን ራእን  ‘ኳ ዘለዎም እንተኾነ እዚ ዕላማን ራእን እዚ ነቲ ህዝቢ ብዝተሳኸዐ ደረጃ ክሸጥሉ ግን ኣይከኣሉን። ብፍላይ ካዓ ነቲ ልሂቅ ዘይኮነ ህዝብና። ህዝቢ ከመይ ተነቓቕሕ፣ ከመይ ተእምኖ? ከመይ ከ ትውድቦ ዝብሉ ሓሳባት ናይ ባዕሎም ፍልጠት፣ ኽእለትን ሳይንስን ኣለዎም። ዓሰርተ ንህዝቢ ዝጠቅም ዕላማ ይሃልኻ ነቲ ህዝቢ ከመይ ከምተእምኖን ከመይ ከምእተነቓቕሖን እንተዘይፈሊጥካ፣ ህዝቢ ኣዕሲልካ ዕላማኻ ክተሳኽዕ ኣይትኽእልን። ኣመራርሓን ኣባላትን ተነሓናሕቲ ውድባት ህዝቢ ከመይ ተለዓዕል (mobilization skills) ፣ ህዝቢ ከመይ ትውድብ (organization skills) ከምኡ’ውን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ናይ ስራሕ ውህደት ከመይ ትፈጥር ወዘተ ኣብ ዝብሉ እርእስቲታት ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ዓቕሚ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ክሰርሑ ኣለዎም።

 ለውጢ ናይ ዘይምምፅኡ ናይ ሞራል ተሓተቲ ግና ኣብ ልካዕሊ ከምዝጠቐስናዮ ተነሓናሕቲ ውድባት ጥራይ ዘይኮኑ ኹሎም ደለይቲ ለውጢ ኣካላት እዮም። ካብዚኣቶም ሓደ ንለውጢ ዝሰርሑ ስቪል ማሐብራት እዮም። ከምዝስዕብ ድማ ጉድለታትን ድኽመታትን ስቪል ማሕበራት ንርአ። 

ሐ) ድኽመታት ሲቪል ማሕበራት

ስቪል ማሕበራት ካብ ተነሓናሕቲ ውድባት ቀፂለን ንህዝብና ዝምጥን ለውጢ ናይ ምምፃእ ሓልፍነት ተሰኪመን ዝሰርሓ ውዳበታት እየን። እስካብ ሐዚ ን ህዝብና ካብ ሓደጋ ዘውፅእ ለውጢ ንዘይምምፅኡ ድማ ናይ ሞራል ተሓተቲ እየን። ድኽመታት ዘለዋና ስቪል ማሕበራት ቕድሚ ምርኣይና ስቪል ማሕበራት ለውጢ ኣብ ምምፃእ ክፃወተኦ ዘለወን ተራ ንርአ።

ግደ ስቭል ማሕበራት፡

  • ህዝቢ ምንቃሕ።  ብሚድያታትን ሰሚናራትን ናይ ለውጢ ሓሳባት ኣብ ህዝቢ ክበፅሑ ምግባር። ኣብዚ መዳይ ደሓን ዝበሃል ስራሕ ተሰሪሑ እዩ። ሓደ ልዕል ኢሉ ከምዝተጠቐሰ እቲ ህዝቢ ካብ ሽግርን ፀበባን ተማሂሩ ነቒሑ እዩ፣ ካልኣይ ካዓ ኣመራሓን ኣባላትን ስቪል ማሕበራት በተን ኣለዋ ዝበሃላ ናይ ድያስፖራ ሚድያታት ጎስጓሳት ይገብሩ እዮም።
  • ህዝቢ ምውዳብ። ህዝቢ ዓሰርተ እንተነቐሐ እንተዘይተወዲቡ ለውጢ ከምፅእ ኣይኽእልን። ሰለዚ ስቪል ማሕበራት እቲ ህዝቢ ኣብ ዘዝመስሎ ውዳበታት ተወዲቡ ንረብሓታቱ ክቃለስ የእምናን ኹነታት የመቻችዋን። ኣብዚ መዳይ ዓብዪ ክፍተት እዩ ዘሎ። ካብቲ ዝነቐሐ ኽፋል ሕብረተሰብና እቲ ዝበዝሕ ኣብ ዝኾነ ውዳበታት የለን። ኣብ ተነሓናሕቲ ውድባት የለ፣ ኣብ ስቪል ማሕበራት የለ። ነዚ ክፋል ሕብረተሰብና እዚ ኣብ ውዳበታት ኣትዩ ክቃለስ ናይ ምእማን ስራሕቲ ኣይተሰርሑን።
  • ናይ ክትዓትን ልዝባትን መድረኻት ምድላው። ካልእ ግደ ስቪል ማሕበራት ናይ ክትዓት መድረኻት ብምድላው ንፅረት ሓሳብ ክህውሉ፣ ናይ ልዝብ መድረኻት ብምድላው ድማ ኣብ መዳርግቲ ኣካላት ኽፍፍል ሓበራዊ ዕማማት ክህሉ ምግባር እዩ። ኣብዙ መዳይ ዝተሰረሐ ስራሕ ዳርጋ የለን ምባል ይከኣል። ብፍላይ ናይ ክትዓት መድረኻት ኣብ ምድላው ዝተሰረሐ ስራሕ ዳርጋ የለን። 
  • ምስ ዕላምኦም ንዝሳነዩ ፖለቲካዊ ውድባት ደገፍ ምግባር። እቲ ኻልእ ስቪል ማሕብራት ክገብርኦ ዝግባእ  ነገር ምስ ዕላምአን ዝሳነ ዕላማ ንዘለወን ፖለቲካዊ ውድባት ደገፍ ምግባር እዩ። እዚ ደገፍ እዚ ብመልክዕ ጎስጓስ ህዝቢ ናብተን ውድባት ክፅምበር ብምግባር ክግበር ይኽእል። ካልእ ካዓ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ብምግባር ‘ውን ክኸውን ይኽእል። መብዛሕተአን ንለውጢ ዝንቀሳቐሳ ስቪል ማሕበራት ምስ ኣብ ትግራይ ዘልዋ ብሄራውያን ውድባት ተምላላኢ ዕላማ ኣለወን። እንተኾነ ግን እተን ፖለቲካዊ ውድባት ካብተን ስቪል ማሕበራት እኹል ደገፍ ኣይረኽባን።  እዚ ብዕዙዝ ክስረሐሉ ዘለዎ ነገር እዩ። ኣብ ላዕሊ ዘርዚርና ከምዝረአናዮ ድኽመታት ተነሓናሕቲ ውዳባት ክንብል ከለና ኹሉ ድኽመታት ካብቶም ውድባት ጥራይ ዝብገስ ኣይኮነን። እተን ውድባት ዘድልየን ፖለቲካዊ ይኹን ፋይናንሳዊ ሓገዝ ኣይረኸባን። 
  • ኣብ ሞንጎ መዳርግቲ ኣካላት ናይ ስራሕ ውህደት ምፍጣር። ለውጢ ንክመፅእ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ኣብ ሞንጎ ስቪል ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ሞንጎ ምሁራትን ዝተፈላለዩ ውዳበታትን ዝግበር ስራሕቲ ተመላላኢ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ሓበራዊ ርድኢት ከምኡ ‘ውን ስራሕ ኽፍፍል ይሓትት። ስቪል ማሕበራት ነዞም ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት እዚኣቶም ኣራኺብካ ሓበራዊ ርድኢት ክሕዙ ናይ ምግባር ከምኡ ‘ውን ስራሕ መቐላ ክገብሩ ናይ ምግባር ግደ ኣለዎም።

ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተዘርዘሩ ግደ ስቪል ማሕበራት ዕዉት ብዝበሃል ደረጃ ዝተሰረሐ ዳርጋ የለን። እዚ ድማ ዓብዪ ድኽመት ስቪል ማሕበራት እዩ። እቶም ድኽመታት ስቪል ማሕብራት እንታይ እንታይ እዮም ኢልና ክንርኢ ከለና እቶም ድኽመታት ምስቶም ናይ ተነሓናሕቲ ውድባት ድኽመታት ተመሳሰልቲ እዮም። ንሳቶም ድማ ብቐንዲ ስእነት ተወፋይነትን ናይ ዓቕሚ ምንኣስን እዮም። እቶም ብ ስቪል ማሕበራት ዝዕመሙ ዕማማት ኣብ ላዕሊ ከምዝተዘረዘሩ ገፋሕትን ብዙሓትን ብምዃኖም ቐትርን ለይትን ናይ ምስራሕ ተወፋይነት እንተዘይሃልዩ እቲ ስራሕ ክውገን ኣይኽእልን።  ስለዚ ስቪል ማሕበራት ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ስራሕቶም ዕዉት ብዝኾነ መንገዲ ከተግብሩ እንተኾይኖም ተወፋይነት ከም ሓደ ባህሪ ኣመራርሓታቶምን ኣባላቶምን ኮይኑ ክወፅእ ኣለዎ። 

 እቲ ኻልእ ኣድላዪ ነገር ድማ ምዕባይ ዓቕሚ ናይዘን ስቪል ማሕበራት እዩ። ኣመራርሓን ኣባላትን ናይዘን ማሕበራት ነቲ ግፍሓትን ዕምቖትን ስራሕተን ዝምጥን ብቕዓት ከጥርዩን ዓቕሚ ክእክቡን ኣለዎም። ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ዕማማት ስቪል ማሕበራት መሰረት ጌርና ኣንተርኢና፣ ኣመራሓታትን ኣባላትን ስቪል ማሕበራት ኣብዘን ዝስዕባ ኣርእስትታት ፍልጠትን ተኽእሎም ከኻዕብቱ ኣለዎም።

  • ህዝቢ ከመይ ይነቅሕ (Activism skills)
  • ህዝቢ ከመይ ይውደብ (organizational skills)
  • ህዝቢ ከመይ mobilize ይኸውን (grass root mobilization skills)
  • ኣብ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ውህደት ከመይ ትፈጥር (team work and social skills)

እዞም ከምዚ ዝመሰሉ ፍልጠታትን ክእለታትን መፅሓፍ ብምንባብ፣ ስልጠናታት ብምውሳድ ከምኡ ‘ውን ካብ ሰብ ለምዲ ልምዲ ልምዲ ብምቕሳም  ምኽዕባት ይከኣል። 

                                                                 ተዛዚሙ።

Editor’s Disclaimer:

The above opinion piece is written by a contributor and reflects their personal views and perspectives. It does not necessarily represent the views or opinions of our editorial team , publication, or organization behind UMD Media. We believe in providing a platform for diverse voices and opinions, and encourage our readers to engage critically and thoughtfully with the content. As with any opinion piece, the ideas and arguments presented are subject to individual interpretation and debate.

We welcome feedback and constructive discourse on the topics presented in this piece. If you would like to submit a response or share your own perspective, please contact us at [email protected].

Thank you for your continued readership and support.

UMD Media

View all posts