ዶ/ር ፀጋዘኣብ ካሕሱ

12/26/2023

1. መእተዊ

ዶ/ር ገብረሚካኤል ገብረመስቀል “ኣብ ትግራይ ንምንታይ እስካብ ሐዚ ለውጢ ክመፅእ ዘይኽኣለ? ሓፂር ገምጋምን ነቐፌታን ተናሓናሕቲ ውድባትን ስቪል ማሕበራትን” ብዝብል ዲሴምበር 7 ፤ 2023 ዝፀሓፎ ሽዱሽተ ገፅ ሓፂር ፅሑፍ ርእየዮ። ኣንቢበዮ።

ከምዚ ዝበለ ፅሑፍ ብዙሕ ዝተለመደ ኣይኮነን። ብፍላይ ብቀጥታን ቀጥታዊ ብዘይኮነ መንገዲን ምስ “ተነሓናሕቲ ውድባት” ርክብ ኣለዎም ዝበሃሉ ውልቀሰባትን ደገፍቲ ለውጢን ብግልፂ ወፂኦም ብሰነድ ኣደጊፎም ነቐፌታን ገምጋምን ከቕርቡ ኣይስተውዓልን። ስለዝኾነ ዶ/ር ገብረሚካኤል ገብረመስቀል ብድፍረት መፂኡ ዘለዎ ገምጋምን ነቐፌታን ከቕርብ ምፍታኑ ክብሪ ይግበኦ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ዛዕባ ነቲ ግጉር በረድ ዝፍንፅሑ (Ice breakers) ልሒቃን ፀገማትናን ፈተናታትናን ስርዓት ብዘለዎ መንገዲ ኢሂንሚሂን ኢልና መፍትሒ ክንናዲ ስለዝሕግዙና ኩሉ ግዘ እጃሞም ዕዙዝ እዩ።

እቲ ዝቐረበ ፅሑፍ እዋናዊ ዓብዪ ውራይ ተጋሩ ከም ኣርእስቲ ውሲዱ ዝተፅሓፈ እዩ። ኣብ ትግራይ ንምንታይ እስካብ ሐዚ ለውጢ ክመፅእ ዘይኽኣለ? ዝብል ሕቶ ሒዙ እዩ ዝብገስ። ነዚ ለውጢ መሪሐን ጋህዲ ክገብረኦ ኢሉ ትፅቢት ዝገበረለን “ተናሓናሕቲ ውድባትን ስቪል ማሕበራትን” እዉን ድኽመታተን ኣብ ዝበሎ ሃናፃይ ነቐፌታ የቕርብ። 

ብወገነይ ነዛ ፅሕፍቲ ዘዳለኹሉ ምኽንያት ዶ/ር ገብረሚካኤል ገብረመስቀል ንዝፀሓፎ ፅሑፍ መልሲ ንምሃብ ዘይኮነስ ነቲ ዘቕረቦ ሓሳብ ከም መጠናኸሪን ኣብ ዘልዐሎም ነጥብታት ናይ ሓሳብ ንፅረት ክፍጠር ኣለዎ ዝብል እምነት ስለዘለኒ እዩ። ብመስረታዊነት ድማ፣ ኣብ ሓደ ሓደ ነጥብታት መብርሂን ዕምቆት ሓሳባትን ካብ ምውሳኽ ወፃኢ መልሲ ዘድልዮ ነገር የለን። ንመንበብቲ ክጥዕም ምእንቲ ግና በቲ ናቱ ቕዲ “ለውጢ”፣ ድኽመታት ተናሓናሕቲ ውድባትን ድኽመታት ሲቪል ማሕበራትን ብዝብል ሰለስተ ክፋል ዘለኒ ርኢቶ ክውስኽ።  

2. ኣብ ትግራይ ንምንታይ እስካብ ሐዚ ለውጢ ክመፅእ ዘይኽኣለ?

ብዛዕባ ለውጢ ክንዛረብ ከለና ኣብቲ “ለውጢ” እንብሎ ስነሓሳብ ግልፅነት ክህልወና እንተዘይኪኢሉ እቲ ንደልዮ ለውጢ ናይ ምምፃእ ዕድሉ ባዶ እዩ። ናይ ሓሳብ ንፅረት ዝፍጠር ድማ ብድልየት ጥራሕ ኣይኮነን። ተሪርን ርትዓዊን ናይ ኣእምሮ ስነሞገት የድሊ። ንምንታይ ንልወጥ? እንታይ ንለውጥ?  ብኸመይ ንለወጥ? ናብ ምንታይ ንለወጥ? መዓዝ ንለወጥ? ዝብሉን ካልኦት መስረታዊ ሕቶታትን መልሲ ክርኽቡ ከለዉ እዩ ንፅረት ሓሳባት ክፍጠር ዝኽእል። ነዞም መባእታዊ ሕቶታት መሰረታዊ መልሲ ከየቐመጥካን ሓባራዊ ርድኢት ከይፈጠርካን እትደልዮ ለውጢ ክመፅእ ኣይኽእልን። ዘይትደልዮ ለውጢ ካብ ምምፃእ ግና ክትዓግቶ ኣይትኽእልን። ለውጢ ተፈጥሮኣዊ ከይዲ ስለዝኾነ። ስለዚ ሕቶ ዶ/ር ገብረሚካኤል ኣብ ትግራይ ንምንታይ እስካብ ሐዚ እንደልዮ ለውጢ ክመፅእ ዘይኽኣለ? ብዝብል ተረዲአ ክቕፅል። ኣብ ፖለቲካ ትግራይ እቲ እንደልዮ ለውጢ እዩ ዘይመፅአ እምበር ለውጢ ካብ ዝመፅእ ዓመታት ሓሊፉ እዩ። ሕቶታትና ንፁራት ስለዘይነበሩ ግና ዘዝመፀ ለውጢ ናብ ረብሓና ክንልውጥ ኣይከአልናን። ካብቶም ዓበይቲ ለውጢታት ናይ ኣብዪ ኣሕመድ ምምፃእን ውዕሊ ፕሪቶርያን ተፈጢሩ ዘሎ ድሕረ ፕሪቶርያ ፖለቲካዊ ኩነታትን ከም ኣብነት ምጥቓስ ይከኣል እዩ። 

ስለዝኾነ፣ “ኣብ ትግራይ ንምንታይ እስካብ ሐዚ እንደልዮ ለውጢ ክመፅእ ዘይኽኣለ? ንዝብል ሕቶ ንምንታይ ንልወጥ? እንታይ ንለውጥ?  ብኸመይ ንለወጥ? ናብ ምንታይ ንለወጥ? መዓዝ ንለወጥ? ኣብ ዝብሉ ሕቶታት ሓባራዊ ርድኢት ፈጢርናዶ? ኣይፈጠርናን? ኣብ ዝብል እዩ መልሱ ዝርከብ። ነዘን ሕቶታት ሓደ ብሓደ ንርኣዮም።

2.1. – ንምንታይ ንልወጥ? / ንምንታይ እዩ ለውጢ ንጠልብ ዘለና?

እዛ ሕቶ እዚኣ “The burning platform or the compelling reason for changing” ይብልዋ። ነዚኣ ዘይመለስኻን ዘይተረዳዳእኻን ማሕበረሰብ ኣብ ለውጢ ክተዕስሎ ኣፀጋሚ እዩ። ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን፣ እቶም ቀፂሎም ዝመፁ ሕቶታት እዉን ዋጋ የብሎምን። ከም ተጋሩስ ይትረፍ ከም ሊሕቃን ኣብዛ ነጥቢ ሓባራዊ ርድኢት ኣለናዶ? ኣብ ኣገዳስነት ለውጢ compelling ተረኽ ፈጢርናዶ? ካብ ለውጢ እንታይ ከምንርባሕ ሓባራዊ ርድኢት ኣለናዶ? 

ስለዚ ንምንታይ ንለወጥ ንዝብል ሕቶ ዝምልስ ቃልሲ ከጎሃህር ዝኽእል ተኣማኒን ርትዓውን መልሲ ኣለናዶ? ኢልና ኢና ክንሓትት ዘለና።

ንምንታይ ንለወጥ ንዝብል ሕቶ ዝቐርቡ መልሲታት ብህልውናን ብጩቡጥ ረብሓን ተቓንዮም ክሳብ ዘይቐረቡ  burning platform or the compelling reason for changing ክኾኑ ኣይኽእሉን። ቂም፣ ኩራ፣ ፅልኢ፣  ህዝባዊ ቃልሲ ከጎሃህሩ ዝኽእሉ ርትዓውያን ምኽንያታት ደፋእቲ ለውጢ ኣይኮኑን። ዝተጎሃሃረ ቃልሲ ንክባራዕ ሓገዝቲ እዮም መሰረታዊ ናይ ለውጢ ደፋእቲ ግና ክኾኑ ኣይክእሉን። ለውጢ እንተ ኣምፂኦም እዉን ካብ ፅገናዊ ለውጢ ኣይሓልፉን። ስለዝኾነ መሰርታዊ ሱር ቦቀስ ለውጢ ክመፅእ እንተኾይኑ ንምንታይ ንልወጥ? ንዝብል ሕቶ ዝወሃብ መልሲ ካብ ሓንኮልቲ መልስታት ዝፀረየ ንፁር መልሲ ክቕመጥ ኣለዎ።  

ስለዝኾነ ንምንታይ ንለውጥ ንዝብል ሕቶ ንፋስ ይኹን ፃፊዓ ዘይወስዶ ህልውናን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ዓንድታቱ ዝገብረ ምኽንያት ስለዘየቐምጥናን ሓባራዊ ርድኢት ስለዘይፈጠርናን እኹል ናይ ለውጢ ባርዕ ክፍጠር ኣይተኸኣለን። ሕዚ’ውን ኣብ ትግራይ ስርዓታዊ ለውጢ ዘድልየና እቲ ዘሎ ስርዓት ሓደጋ ህልዉና ተጋሩን ፀረ ረብሓ ህዝቢ ትግራይን ምዃኑ ዘረድእን ዘርእይን ርትዓዊ ዝኾነ ጭቡጥ ተረኽ ክንፈጥር እንተዘይኪኢልና እንደልዮ ለውጢ ክመፅእ ኣይኽእልን።

ለውጢ ዘድልየና ከም ማሕበረሰብ ህልውናናን መንነታዊ ቀፃልነታ ክነረጋግፅን ናይ ልምዓት፣ ዴሞክራሲን ሰላምን ረብሓታትና ክነረጋግፅ እዩ። በቲ ሕዚ ዘሎ ኣካይዳ እዚኦም ምርግጋፅስ ይትረፍ ጨነኦም እውን ንምርካቡ ኣፀጋሚ ምዃኑ ኣሚንና ክነእምን ስለዘይከኣልና እዩ ዝብል ምውሳድ ዝበለፀ ይመስለኒ።          

2.2. – እንታይ ንለውጥ? / ክንልውጦ ዘለና እንታይ እዩ?

እሞ ህልውናናን መንነታዊ ቀፃልነትና ክነረጋግፅን ናይ ልምዓት፣ ዴሞክራሲን ሰላምን ረብሓታትና ክነረጋግፅ ምእንታን ክንልወጥ እንተሃልዩና፣ እንታይ ንለውጥ? ስዒቡ ክምለስ ዘለዎን ሓባራዊ ርድኢት ክፍጠረሉ ዘለዎን ነጥቢ እዩ።

ንምንታይ ንልወጥ? ኣብ ዝብል ዝተሰማምዑ / ምርድዳእ ዝፈጠሩ ሓይልታት ኣብዚኣ ክፋላልዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ርእስ እዚ ድማ ናይ ትግራይ ኩነታት ኣብ ቅርቃር እዩ ዘሎ። እንታይ ንለውጥ ዝብል ብቐሊሉ “ስርዓት” ኢልካ ክትምልሶ ትኽእል ትኸውን። ኣየናይ ስርዓት? ናይ ኢትዮጵያ ስርዓትዶ? ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ትግራይ ስርዓት? ናይ ኢትዮጵያ ስርዓት ዘይለወጥካ ናይ ትግራይ ስርዓት ንምቕያርከ ይከኣልዶ? ናይ ኢትዮጵያ ስርዓት ንምልዋጥ መሰልን ክእለትን ኣለናዶ? ኣብ ዝብሉ ሕቶታት ግልፅነት ክፍጠር ክኽእል ኣለዎ።

ህልውናናን ረብሓታትናን ንምርግጋፅ ብሕታዊ መንገዲ ስርዓታዊ ለውጢ ምምፃእ እንተኾነ እኳ ነየናይ ስርዓት ኢና ክንልውጥ ዘለና ዝብል ሕቶ ኣብ ትግራይ ለውጢ ከይመፅእ ደንገርገር ዝፈጠረን ነቲ ዘይተርፍ ለውጢ ዘደናጎየን ሕቶ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘርኣዮን ዘርእዮ ዘሎን ክፈእ ድማ ኣብ ትግራይ ንዞሎ ስርዓት ቦቕባቕ ህዝቢ ንክፍጠር ናይ ባዕሉ ግደ ተፃዊቱን ይፃወት ኣሎን። ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀረ ህልውናን ረብሓ ህዝቢ ትግራይን ዝኾነ ሓይሊ ድማ ነዚ ናመዝመዘ ስርዓታዊ ቀፃልነቱ ንምርግጋፅ ይጥቀመሉ።

ስልዝኾነ በቲ ዘላናዮ ኩነታት እዚ ሕቶ ብስምዒት ዝምለስ ኣይኮነን። ኣብ ትግራይ ስርዓታዊ ለውጢ ኣምፂእኩም ምስ ኣርባዕተ ኪሎን ምስ ኣምሓሩን ምስ ሻዕብያን ታይ ክትገብሩና ኢኹም ዝብል መልሲ ዘድልዮ ሕቶ ይልዓል። ነዚ ኣዕጋቢ መልሲ ከየቐመጥና ንምንታይ ለውጢ ከምዘድልየና ዝተረደአ ሰብ እዉን እንተኾነ ኣብ ትግራይ ስርዓታዊ ለውጢ ንምምፃእ ብሙሉእ ሓይሉ ክንቀሳቐስ ኣይኽእልን። እቶም ናይ ፀረ ለውጢ ዓቀብቲ ነብሶም ሓይልታት ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ምስ ኤርትራ ዘለና ርክብ ክመሓየሽ ዘይደልይዎ እዉን ነዚ እዩ። እዚ ኩነታት እንተዓርዩ ንምንታይ ንልወጥ ኣብ ዝብል ሕቶ ዝተረዳደአ ማሕበረሰብ እንታይ ንለውጥ ኣብ ዝብል ብቀጥታ እዩ ኣብ ምርድዳእ ዝበፅሕ። ክልወጥ ዘለዎ ናይ ባዕልኻ ስርዓት እዩ።

ስለዚ ንምንታይ ንልወጥ ኣብ ዝብል ሕቶ ዘለና ጉድለት ከምዘለዎ ኮይኑ እንታይ ንለውጥ ኣብ ዝብል እውን ተመሳሳሊ ዘይፀረዩ ርድኢታት ስለዘልዉ እዩ  ኣብ ትግራይ እስካብ ሐዚ እንደልዮ ለውጢ ክመፅእ ዘይኽኣለ?  

2.3. – ብኸመይ ንለወጥ? / እቲ ንደልዮ ለውጢ ብኸመይ መንገዲ ነዐውቶ?

ከምቲ ትርእይዎ ዘለኹም ሕቶታት ብዝቐፀሉ ቁፅሪ መልሶም እናኸበደን ፍልጠት፣ ተሞኩሮን ጥበብን ዝሓቱ እናኾኑ እዮም ዝኸዱ። ከም ህዝቢ ሓባራዊ ርድኢት ንምፍጣርስ ይትረፍ ኣብ ሓደ ፓርቲ፣ ማሕበር ወይ እድር ዘለዉ ሰባት እኳ ለውጢ ከምዘድሊ ኣሚኖም፣ እንታይ ክልወጥ ከምዘለዎ ተሰማሚዖም ከብቅዑ እሞ ብኸመይ ንለወጥ? ኣብ ዝብል ኣንፈት ክጠፍኦም ይኽእል እዩ። ተግባራዊ ግብረመልሲ ዘድልዮ ሕቶ ስለዝኾነ እዉን ተወፋይነት፣ ህዝባዊነትን ናይ ዕላማ ፅንዓትን ይሓትት። ንምንታይ ንለወጥ ኣብ ዝብል ብዙሕ ሰብ ትንተና ይህበሉ፣ ደረቱ ነፊሑ ዓው ኢሉ ይዛረብ፣ ይፅሕፍ። እንታይ ንለውጥ ኣብ ዝብል ሕቶ እዉን ሎሚ ሎሚ ደፊሩ ምዝራብ ጀሚሩ እዩ። ኣላሕሲሱ ዝዛረብ እዉን ብዙሕ እዩ። ብኸመይ ንለውጥ? ኣብ ዝብል ክበፅሕ ከሎ መብዛሕትኡ ድምፁ ሰለለል ናብለ እዩ ዝኸድ። ንምንታይ ንልወጥ? ኣብ ዝብል 80% ዝነበረ ምርድዳእ እንታይ ንለውጥ? ኣብ ዝብል ናብ 65% ይወርድ፣ ብኸመይ ንለወጥ? ኣብ ዝብል ክትበፅሕ ከለኻ ኣብ ሸውዓተ ትምቀል።

ኣብዚ ጉዳይ ኩሉ እንተተዛረበሉ ምንም ዋጋ የብሉን። ናይ ማሕበርራዊ ሚድያ ብዙሕ ሰዓቢ ስለዘለዎም፣ ሚድያ ስለዘለዎም ብኸመይ ንለውጥ? ንዝብል ሕቶ መልሲ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። ስርዓት ብኸመይ ይልወጥ ሰፊሕ መፅናዕቲን ርድኢትን ይሓትት። ብነሲብ ዘዝመፀልካ መንገዲ ምኽታል ውፅኢቱ ለውጢ ዘይኮነስ ወይ ኣናርኪ እዩ ወይ ምቕሃም እዩ።

ነዛ ሕቶ መልሲ ኣብ ምቕማጥ ግደ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዕዙዝ እዩ። ብቕዓት ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ መሪሕነት ድም ነዛ ሕቶ ብዝህቦ መልሲ ይዕቀን። ፖለቲካዊ መሪሕነት ዘድልየና ብዋናነት ነዛ ሕቶ ንምምላስ እዩ። ኩሎም ናይ ለውጢ መንገዲታት መርሚሩ ንኹሎም መንገዲታት ኣተኣሳሲሩ ክመርሕ ዝኽእል ስትራቴጂን ታክቲክን ቃልሲ ዝሕንፅፅ ዝተማእከለ ብቑዕ መሪሕነት ክሳብ ዘየለ ብኸመይ ንለወጥ? ዝብል ተነፂሩ ናብ መደብ ዝወርድ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ክህሉ ኣይኽልን።

ብወገነይ ንለውጢ ዘይፍንቀል እምኒ ክህሉ የብሉን ዝብል ኣመለኻኽታ እዩ ዘለኒ። በዚ መስረት ድማ ዝተማለአ (comprehensive) ኩለመዳያዊ (multipronged) ኣንፈት ዘቐመጠ ናይ ለውጢ ፍኖተ ካርታ (Road map) ክህልወካ ኣለዎ። ኣብዚ ንሕና ከም ውድብ ናይ ለውጢ ፍኖተ ካርታ ኣዳሊና ቃልሲ ካብ ንጅምር ዝፀናሕና እኳ እንተኾንና ነዚ ኣንፈት ሓባራዊ ርድኢት ክንፈጥር ዘይምክኣልና ሓደ ፀገም እዩ። ብፍላይ እቲ እንደልዮ ለውጢ ብሪፎርም ድዪ ብመሰረታዊ ለውጢ ክዕወት ዝኽእል ነጥቢ ምርድዳእ የድልዮ።   

ስለዚ ነዚ ሕቶ መልሲ ኣቐሚጥና ዝመጋገብን ዝተወዳደን ኩለመዳያዊ ቃልሲ ክንገብር ስለዘይከኣልና እዩ ለውጢ ክመፅእ ዘይከኣለ ዝብል ነጥቢ ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ።                  

2.4. – ናብ ምንታይ ንለወጥ?

እዚ ሕቶ ምምላስ ምትእምማን ንምፍጣር (confidence building) ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ለውጢ ክናፍቕ እንተኾይኑ ድሕሪ ለውጢ ዘሎ ኩንታት ፅቡቕ ምስሊ ክህልዎ ኣለዎ። እንተተኻኢሉ ድማ ቅድሚ ለውጢ ምምፅኡ ብዝተወሰነ ብርኪ ጩቡጥ መርኣያ ክኾኑ ዝኽእሉ ስራሕቲ ሰሪሕካ ክተርኢ ክትኽእል ኣለካ። እንጠልቦ ዘለና ለውጢ ወጮ ምግልባጥ ከምዘይኮነ ክተእምን ወይ ክተርኢ ትኽእል ኣለካ። እዚ ተፈፂሙዶ ኢልካ ምሕታት።

ብካሊእ መዳይ ድማ፣ ዝሐሽ ህዝባዊነትን ተወዳዳሪ ዓቕሚ ናብ ዝመርሖ መድረኽ ይሰጋገር ከምዘሎ ዘይ ኣመነ ማሕበረሰብ ኣብ ለውጢ ንጡፍ ተሳታፋይ ክከውን ኣይኽእልን። ናይተን ለውጢ ክመርሓ ትፅቢት ዝገበርኻለን ተናሓናሕቲ ውድባትን ሲቪል ማሕበራትን ኣብዝሓ ኣመራርሓ ብግልባጡ ካብቲ ዘሎ ስርዓት ዝኸፈአን ዝሓመቐን ኮይኑ ንምርኣይ ኣብ ውድድር ዝነበረ ክሳብ ዝመስል ዝገብሮ ዝነበረ ምንቅስቓስ ኣብ ሓፋሽ እምነት ዝፈጥር ኣይኮነን። ኣብቲ ግዝያዊ መንግስቲ ካቢኔ ናይ ምስታፍ ዝተረኸበ ዕድል ተጠቒሙ ለውጢ መራሒ ከምዘለዎ ብተግባር ከርኢ ኣይኸኣለን። ብዛዕባ ኣብ ካቢኔ ግምት ምስታፍ ካል ኦት ነጥብታት እዉን ምልዓል እንተተኽኣለ እኳ ሽዱሽተ ናይ ካቤኔ ቦታታት ሸፊኑ ክመርሕ ዘይከኣለ ሓይሊ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዝፍጠር ተኣፋፊን ዝተሓላለኸን መድረኽ ክመርሐኒ ይኽእል እዩ ኢሉ ዝኣምነካ ሰብ ትፅበ እንተሃሊኻ ጌጋ እዩ። ነዚ እዩ ድማ ስትራቴጂክ ጌጋ (strategic blunder) እዩ ተፈፂሙ ንብል። ዶር ገብረሚካኤል ዝተሓንሸሹ ዕድላት ኣብ ዝብል ክጠቕሶ ኒርዎ።

ስለዚ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዝፍጠር ፖለቲካዊ ኢኮኖምያዊን ማሕበራዊን ኩነታት ኣወንታዊ ምስሊ ክፍጠር እኹል ስራሕ ስለዘይተሰረሐ እዩ ለውጢ ደንጉዩ ዝብል ነጥቢ ምውሳድ ይከኣል።                 

2.5. – መዓዝ ንለወጥ?

ናይ ለውጢ ግዘ ሓሊፉ እዩ። ክንልወጥ ዝነብረና እንተወሓደ ኣብ 2010 እዩ። ስለዚ እንጠልቦ ለውጢ ዝደንጎየ ቅድም ኢሉ ክግበር ዘነብሮ ኣገዳሲ ለውጢ እዩ።

2.6. – መጠቓለሊ

ደለይቲ ለውጢ ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ ሕቶታት መልሲ ክናድዩ ከለዉ ለውጢ ክንደየናይ ከቢድ ከምዝኾነ ክርደ አኩም ይኽእል እዩ። ፅልምትምት ክብሎኩም ግና ኣይግባእን። ምኽንያቱ ዕዉት ስርዓታዊ ለውጢ ንክመፅእ ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ውሽጢ ኣብ መልሲ እቶም ሓሙሽተ ሕቶታት ሓባራዊ ርድኢት ዝፈጠር ካብ 1 – 3 ሚኢታዊት እቲ ማሕበረሰብ እይ ዘድሊ።

ብናተይ ገምጋም ናይ ለውጢ መራሕቲ እንተፈጢርና እቲ ዝድለ ቁፅሪ ብቐሊሉ ምምላእ ይከኣል እዩ። ናይ ለውጢ መሪሕነት ከመይ ይፍጠርን እንታይ ማለት እዩ ዝብልን ንበይኑ ክንርእዮ።  

3. ድኽመታት ተናሓናሕቲ ውድባት

ፈለማ ተናሓናሕቲ ውድባት ብዝብል ብጥቕሉል ዝግለፃ ዘለዋ እተን ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት እየን ብዝብል ከምተረዳእኽዎ ክገልፅ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት እዘን ውድባት ምስ ድኽመታተን እዉን እንተኾነ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዝነብሩ ብዙሕ ሓጓፋት ከም ዝደፈና እምነተይ እዩ። ናይዚ ፅሑፍ ዕላማ ብዛዕባ ዘበርከትኦ ቃልሲ ስለዘይኮነ ከምኡ ኢለ ክሓልፎ።   

ብዛዕባ ድኽመት ተናሓናሕቲ ውድባት ኣዝዩ ጥቕሉል ዝኾነ ርኢቶታት ምቕማጥ ይከኣል እዩ። ልክዕ ከምቲ ዶ/ር ገብረሚካኤል ድኽመት ተናሓናሕቲ ውድባት ኢሉ ዘቐመጦ ሕፅረት ተወፋይነት (lack of dedication)፣ ንመስዋእቲ ድሉው ዘይምዃን፣ ናይ ዓቕሚ ጉድለታት ኢልካ ክተቐምጦ ትኽዕል ኢካ። ብርግፅ፣ ንኸምዚ’ኦም ዝበሉ ርኢቶታትን ነቐፌታትን ምቕባል ይኹን ምንፃግ ኣፀጋሚ እዩ።

እቲ ዝበለፀ ዝኸዉን ናይ ድኽመት ወይ ጉድለታት መገምገሚ ቅጥዒታት ተጠቒምካ ምፍታሽ እዩ። ዝተፈላለዩ ናይ ድኽመት ወይ ጉድለት መገምገሚ ቅጥዒታት እንተሃለውኳ ነዚ ፅሑፍ ኣርእስቲ ብዝተኣሳሰር መንገዲ ድኽመት ተናሓናሕቲ ውድባት ንምግምጋም ክጥዕምና ትካላዊ መገምገሚ ነጥብታት እንተተጠቐምና ፅቡቕ ይመስለኒ። ናይ ዝኾነ ይኹን ትካል ድኽመታት/ጉድለታት ካብ ኣፈጣጥራ እቲ ትካል (Origional sin)፣ ካብ ቅርፃዊ ፀገማት (Structural problem) ከምኡ እዉን ትካላዊ መስተጋብር (Interaction) ከም ዝፍልፍል ዝፍለጥ እዩ።

ካብዚ ተበጊስኻ፦

ሀ – ተናሓናሕቲ ውድባት ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ ለውጢ ንከየምፅኣ ዝዓግት ናይ ኣፈጣጥራ ፀገም ኣለወንዶ?

ለ – ተናሓናሕቲ ውድባት ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ ለውጢ ንከየምፅኣ ዝዓግት ቅርፃዊ ፀገም ኣለወንዶ?

ሐ – ተናሓናሕቲ ውድባት ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ ለውጢ ንከየምፅኣ ዝዓግት ናይ ትካልዊ መስተጋብር ፀገም ኣለወንዶ? ዝብሉ ሕቶታት ብምልዓል እዩ ለውጢ ኣብ ምምራሕ ዘለወን ድኽመትን ጥንካረን ብሙሉኡነት ምርኣይ ዝከኣል።

3.1. – ተናሓናሕቲ ውድባት ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ ለውጢ ንከየምፅኣ ዝዓግት ናይ ኣፈጣጥራ ፀገም ኣለወንዶ?

ነዚ ሕቶ ብቐሊሉ ንምምላስ ናይተን ውድባት ፕሮግራም ምርኣይ እኹል ክኸውን ኔሩ እዩ። ንዓይ ካብኡ ብዝለዓለ ጠቓሚ ዝመስለኒ ግና ኣብ ክሊ እዚ ሕቶ ዝግበር ግልፂን ልባዊን ምይይጥ እዩ። እተን ውድባት ድሕሪ 2011 ብተብተብ ዝተፈጠራ ውድባት ምዃነን ንኣብዝሓ ሰብ ርዱእ ይመስለኒ። እዚ ድማ ንዝተፈላለየ ዕላማ ኩሉ ዓይነት ሰብ ዝተወደበለን ውድባት ንክኾና ጌይርወን እዩ። ብትኽክል ናይ ፓርቲ ቁመና ሒዘን ጠጠው ክብላ ዝገብረኦ ፃዕሪ እዉን ናይ ውልቀ ሰባት ፃዕሪ እምበር ሓደ ፖለቲካዊ ውዳበ ከማልኦ ዝግባእ ሮቛሒታት ስለዘማልኣ ኣይኮነን። ነተን ውድባት ሕመቐንን ፅቡቐንን ተሸኪሞም ጠጠው ዘበልወን ብኣፅብዕቲ ዝቑፀሩ ውልቀስባት እዮም።  መብዛሕትኡ ኣመራርሐአን ኣብ ፖለቲካ ንጡፍ ተዋሳኣይ ኔሩ ንምባል ኣፀጋሚ እዩ። ካብ ኣመሰራርተአን ጀሚርካ እንትረአ ነዝን ውድባት ስርዓታዊ ለውጢ መፂእወን እምበር ስርዓታዊ ለውጢ ከምፅኣ ዝተወደባ ኣይነብራን። ብዛዕባ እዚ ነዊሕ ሓተታ ምቕራብ እኳ ዝከኣል እንተኾነ ኣንፈት ከይንስሕት ኣብዚ ከሕፅሮ።

ስለዚ ተናሓናሕቲ ውድባት ንምንታይ እየን ቃልሲ መሪሐን ኣብ ትግራይ ስርዓታዊ ለውጢ ከምፅኣ ዘይከኣላ ንዝብል ሕቶ ሓደ መልሲ ክኾን ዝኽእል፣ እተን ውድባት ካብ ኣፈጣጥረአን ጀሚረን ስርዓታዊ ለውጢ ከምፅኣ ዝተወደባ ስለዘይነብራ ነቲ ተለዋዋጣይ ምዕባለ ተኸታቲለን ባዕለን ምስቲ ውድዓዊ ምዕባለታት ኣዛሚደን ቃልሲ ክመርሓሉ ዝኽእላ ብቕዓት ክሃንፃ ስለዘይከኣላ እዩ።

3.2. – ተናሓናሕቲ ውድባት ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ ለውጢ ንከየምፅኣ ዝዓግት ቅርፃዊ ፀገም ኣለወንዶ?

ምስ ኣፈጣጥረአን ተኣሳሲሩ ዝነብረ ፀገም ከምዘሎ ኮይኑ ምስተመስረታ ዝሓዘኦ ውድባዊ ቅርፂ እውን ንለውጢ ክመርሕ ዝኽእል ኣይነበረን። ንመረፃ 2012 ማእከል ጌሩ ዝተወደብ መሓውር እዩ ኔርወን። መረፃ 2012 ኣገዳስነት ለውጢ ጋህዲ ካብ ዝገበሩ ሓደ ተሞኩሮ እዩ ኔሩ። ፀረ ዴሞክራሲ ክንደየናይ ሱር ዝሰደድ ፀገም ከምዝኾነን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሰፊሕ ቤት ማሕዩር ይነብር ከምዘሎ ዘረጋገፀን መረፃ እዩ ኔሩ። ብተወሳኺ ድማ ውሽጣዊ ፀገማተን ንከስተውዕላ እዉን ዝሓገዘን ተሞክሮ ዝረኸባሉን እዩ ኔሩ። ድሕሪ እዚ መረፃ ምትዕርራያት ንምግባር ፈተነታት እንተነብሩ እኳ ኩናት ስለዘርከበ ኣይተኽኣለን። ከምኡ ኢለን ቀፂለን። ለውጢ ክመርሓ እንተኾይነን ለውጢ ክመርሕ ዝኽእል ውድባዊ ቅርፂ ክሕዛ ኔርወን። ሕዚ እዉን ከም ዘለዎ እየን ዘለዋ። እዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ምስሊ ሓደ ፖለቲካዊ ፓርቲ ክውደበሉ ዝኽእል ክልተ መማረፂ ተርእይ እያ። ክፍጠር ዝኽል ፖለቲካዊ ውዳበ ካብ ክልቲኦም ሓዲኡ እዩ። ውድባትና ንኽልቲኡ ዘማልኣ ኣይኮናን።

ዶ/ር ገብረሚካኤል ኣብ ፅሕፉ ሕፅረት ተወፋይነት ተናሓናሕቲ ውድባት ንምርኣይ ዝስዕብ ኣብነት ጠቒሱ “ተነሓናሕቲ ውድባት ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዝፀውዑለን ኣጋጣሚታት እንተርኢና፣ ሓደ መዓልቲ ሰልፊ ይፅዋዕ፣ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ብሓይሊ ይብትኖ፣ ኣመራርሓታት ካዓ ይኣስሮም። ብድሕሪኡ በቃ ነገራት የብቅዕ፣ ቐፃልነት የብሉን። ንኣዋርሕ ሰልፊ የለ ገለ የለ። ተወሊዑ ዝነበረ ናይ ቓልሲ ሃልሃልታ ካዓ ይቕህም። ህዝቢ ካዓ ከምዚ ቐፃልነት ዘይብሉ ሰልፊታት መእሰሪኡ ድኣ ‘ምበር ለውጢ ከምዘየምፅእ ስለዝፈልጥ ኣብ ሰልፊታት ክሳተፍ ኣይደልን፣ ብሓፈሻ ኣብቲ ቓልሲ ‘ውን ከምኡ”። እዚ ኣብነት ካብ ተወፋይነት ብላዕሊ ተናሓናሕቲ ውድባት ከምዚ ዓይነት ምንቅስቓስ ክመርሓ ዘኽእለን ውድባዊ ቅርፂ ከምዘይሓዛ ዘርኢ እዩ። ናይ ለውጢ መራሒ ውድባዊ ቅርፂ ተዝህልወን ኔሩ ካብ ፈለምኡ ብስሩ ካብ እዋናውነቱ፣ ምድላዋቱ፣ ከይዱን ውፅኢቱን ዝተኣርነበ ክኸውን ኔሩ። ውፉዩነት ግና ዝተረጋገፀ ይመስለኒ። ክሳብ ሕዚ ዝተገበሩ ሰልፊታት ለውጢ ዝዓለሙ ድዮም ኢልካ ካብ እዋናዊነቶም፣ ምድላዋቶም፣ ከይዶም ውፅኢቶምን ምግምጋም እዩ ዝበለፀ።                     

ስለዝኾነ እቲ ሓደ ድኽመት ተናሓናሕቲ ውድባት ለውጢ ክመርሕ ዝኽእል ውድባዊ ቅርፂ ዘይምሓዘን እዩ።

 3.3. – ተናሓናሕቲ ውድባት ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ ለውጢ ንከየምፅኣ ዝዓግት ናይ ትካላዊ መስተጋብር ፀገም ኣለወንዶ?

ተናሓናሕቲ ውድባት ካብ ዕለታዊ ምንቅስቓሶም ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ውድቦምን ጎናዊ ርክባታቶምን ለውጢ ኣብ ምምፃእ ማእኸል ዝገበረን መትከላዊን ድዩ ኔሩዝብል ሕቶ ኣገዳሲ እዩ። ለውጢ ክመርሓ ግቡአን ዝኾነ ውድባት ለውጢ ከመይ ከም ዝመፅእ ኣብ ምምርማርን ርክባት ምፍጣርን ንለውጢ እታወት ክኾኑ ኣብ ዝኽእሉ መስተጋብራት ነጢፎምዶ እንተኢልና ዘዕግብ መልሲ ንምርካብ ኣፀጋሚ እዩ። ናይ ሲቪልን ሲቪክ ማሕበራትን ክዓምመኦ ዝግባእ ስራሕቲ ዘዘንበለ ንጥፈታት እዩ ዝበዝሕ። ባዕልኻ ፕሮሞት ኣብ ምግባር እምበር ጩቡጥ ደጋፊ ንምፍራይን ምስቲ ለውጢ ደላዪ ሰፊሕ ናይ ማሕበረሰብ ኣካል ተራኺብኻ ሓይሊ ኣብ ምትእኽኻብን ምውዳብን ዝነብሩ ንጥፈታት ኣዝዮም ድኹማት እዮም።  ምስ ዳያስፕራ ተጋሩ፣ ምስ ሚድያታትን ምስ ዲፕሎማቲክ ኮሙኒቲ ዝግበሩ ርክባት እዉን ለውጢ ማእኸል ዝገብሩ ድዮም ኔሮም ኢልካ ምሕታትን ምምርማርን ኣገዳሲ እዩ።

ካብኡ ንላዕሊ ግና ምስ ናይ ውሽጢ ይኹን ናይ ደገ ሓይልታት መትከላዊ ርክባት ፈጢርንዶ? ዝግበሩ ዘይመትከላዊ ርክባት ነቲ ደላዪ ለውጢ ሰፊሕ ማሕበረሰብ ኣብ ጥርጣረ ከምዘይ ኣእትይዎ ተሓሲብሎም ዝግብሩ እንተዘይኮይኖም ጉድኣቶም እዩ ዘመዝን። ዝተፈላልየ ናይ ሞራልን ናይ ማቴርያልን ደገፍ ስለዝገበረልካ ጥራሕ ቆሎን ጥቕጥቖን ሓዋዊስካ ሓዊን ሓሰርን ኣኪብካ ለውጢ ክመፅእ ኣይኽእልን። ብስሩ ናይ ሞራል ይኹን ናይ ማቴርያል ድጋፍ ካበይ ከምትቕበልን ከም ዘይትቕበልን ግልፂ ምዃን ንለውጢ ኣገዳሲ ባእታ እዩ። ንሕና ንደልዮ ለውጢን ንሳቶም ዝደልይዎ ለውጢን ሕቆን ከብዲን እዩ። ስለዝኾነ ናይ ደንበ ምትሕውዋስ ዘየወገድካ ዝመፅእ ለውጢ የለን። እንድሕር ከምኡ ዘይኮይኑ መጋበርያ ሰብ ፉሉይ ረብሓ እምበር ናይ ለውጢ መራሒ ክትከዉን ኣይትኽእልን።

እቲ ካልእ ድኽመት ናይ ህዝብና ናይ ለውጢ ሽውሃት ዝዓፁ ዘይመትከላዊ ርክባት እዩ። እቲ ለውጢ ህዝቢና ባዕሉ ስፖንሰር ከምዝገብሮ ክንገብር እንድሕር ዘይኪኢልና ኣፀጋሚ እዩ።           

4. ድኽመታት ሲቪል ማሕበራት

ብዛዕባ ድኽመታት ሲቪል ማሕበራት ኣብ ዘየለ ነገር ምውጋዕ እዩ ዝኸዉን። ሲቪል ማሕበራት የድልያናን ብዘይ ጠንካራ ሲቪል ማሕበራት ዝመፅእ ለውጢ የለን ብዝብል እንተተረዳዳእና ይሕሽ። እተን ዝርካበን ክጠናኸራ ምግባር፣ ሓደሽቲ ክጣየሻ ምትብባዕ ኣገዳሲ እዩ። ምናልባት ብዛዕባ ስምረት ተጋሩ ዝበሃል ማሕበር ተሓሳቢ ገይሩ ዝፀሓፎ እንተኾይኑ ካልእ ግዘ ክምለሶ። 

ብሄራዊ ውዳበ!

ብሄራዊ መሪሕነት!

ብሄራዊ ቃልሲ!

!!!

Editor’s Disclaimer:

The above opinion piece is written by a contributor and reflects their personal views and perspectives. It does not necessarily represent the views or opinions of the editorial team, publication, or organization behind UMD Media. We believe in providing a platform for diverse voices and opinions, and encourage our readers to engage critically and thoughtfully with the content. As with any opinion piece, the ideas and arguments presented are subject to individual interpretation and debate.

We welcome feedback and constructive discourse on the topics presented in this piece. If you would like to submit a response or share your own perspective, please contact us at [email protected].

Thank you for your continued readership and support.

UMD Media

View all posts