ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንዘላቒ ሰላም ዝተገበረ ስምምዕነት ካብ ዝፍረም ሓደ ሰሙን ክኾኖ ኢሉ ኣሎ፡፡  ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ኣብ ዝነጥፉ ተጋሩ ካብ ድንጋጽ እስካብ ምድንጋር ዘሎ ስሚዒቶም ዝገልጹ ቁፅሮም ቀሊል ኣይኮነን፡፡ እቲ ሓደ ፀገም እቲ ኸይዲ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ዘይምህላዉን እቲ ትሕዝትኡ ሃንደበታዊ ምዃኑን ዝገልፁ ኣለዉ፡፡

ዩኤምዲ ሚዲያ እቲ ጉዳይ ብቀረባ ካብ ዝከታተሉ ሰባት ሓደ ምእንቲ ደህንነቱ በስሙ ከይንጽውዖ ዝሓተተና ላዕለዋይ ተንታኒ ፖለቲካ ካብ መቐለ አዘራሪባ ዝስዕብ ሓበሬታ ረኺባ አላ፡፡

ዩኤምዲ ሚዲያ፡ እቲ ስምምዕ ብኸመይ ይገልፅዎ?

መልሲ፡ እቲ ስምምዕ ብሓፂሩ “ኢድ ምሃብ” ተባሂሉ ክፅዋዕ ዘለዎ ብእንግሊዝኛ surrender(ሰረንደር) ንብሎ፡፡

ዩኤምዲ ሚዲያ፡ ናይ ዘተወሰኑ ኣመራርሓ ድጋፍ ዘለዎ እዩ ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት አለዉ፡

መልሲ፡  ኣብ ማእኸላይ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይን ፖለቲካን ዘለው እቲ ኣመራርሓ ዝተስማምዕሉ እዩ፡፡

ዩኤምዲ ሚዲያ፡ እስካብ ዕጥቂ ምፍታሕ፣ ምስንባት፣ ዳግመ-ፅንበራ  ዝኸድ ስምምዕነት ብወገን ህወሓት ኽፍረም ኸሎ እንታይ ንምርኻብ እዩ?

መልሲ፡  እታ ዋና ንኽስማምዑ ዝገበረት “ንህወሓት ካብ አሸባሪነት መዝገብ ስማ ክልዓል ምግባር” ብዝብል ዝቐረበት ናይ ኡሁሩ ኬንያታ ሓሳብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምቕባሉ እዩ፡፡

ዩኤምዲ ሚዲያ፡ ዘኢስት አፍሪካን እውን ፀብፂብዎ ነይሩ ንባዕሉ መንግሥቲ ትግራይ ኢሉ ከይጽፅውዕ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ንሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያን ከኽብር፤ ንሰራዊት ትግራይ ናይ ዕጥቂ ምፍታሕ ሓላፊነት እውን ኽወሰድ ዝተስማመዐ ካብ አሸባሪነት መዝገብ ክልዓል እዩ ምስተብሃለ እዩ ኢሉ? ሓቂ ድዩ?

መልሲ፡  እወ፡ እቲ ስምምዕ ካብ ዝተፈረመሉ እዋን ብመረፃ ረኺቢዎ ዝነበረ ሕጋዊነት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ሂቡ እዩ፡፡ ጊዜያዊ መንግስቲ ክጣየሽ ከሎ ህወሓት ከምናይ ትግራይ ጨንፈር ብልጽግና ኾይና ክትሰርህ ኣብቲ ዝጣየሽ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ሀዚ ኣብ ህወሓት ዘየለው ግን ኣብ ሰራዊት ትግራይ ዘለዉ መራሕቲ ክሕወሱ ከምዝኽእሉ እዚ’ውን ብኣሜሪካ ድጋፍ ከምዝግበር እየ ዝፈልጥ፡፡

ዩኤምዲ ሚዲያ፡  ናይዚ ስምምዕ ሳዕቤኑ ታይ እዩ?

መልሲ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ግዳይ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ናይ ረብሓ ሓድነት ትግራይ እዩ፡፡ ትግራዋይ ካብ ኢሮፕ እስካብ ሑመራ፤ ካብ ራማ እስካብ ራያ፤ ካብ ዴስዓ እስካብ ወልቃይት፤ ካብ ዓዲያቦ እስካብ አበርገለ፤ ካብ ውሽጢ እስካብ ደገ ናይ ረብሓ ስምረት ገይሩ  ይቃለስ ነይሩ፡፡ በዚ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ቀዲሙ ዝተወቅዐ እዚህ ፍሉይ ስምረት እዩ፡፡ ድሮኳ እቲ ወጻኢ ዘሎ ብአዲስ አበባን ብመቐለን ከም ፀላኢ ኽግበር ጀሚሩ ኣሎ፡፡

እቲ ንሰራዊት ትግራይ ዕጥቂ ኣፍቲሕኻ ብቁፅሪ፡ ብዕጥቂን ብቁፅሪ ህዝቢ ትግራይን መጠን ወሲንኻ ናብ ፖሊስን ፍሉይ ሓይሊን ናይ ምውራድ ስራሕ መን ካብቶም ኣዘዝቲ ይኹን ተራ ኣባላት ሰራዊት ብሔራዊ ስምዒት ኣለዎም ዝባሃሉ ናይ ምፍላይን ናይ ምብራርን ስራሕ ዝሓውስ እዩ፡፡ እቲ ቁፅሪን፤ ዕጥቂን መንግስቲ ኢሳይያስ ጥቅዓት እንድሕር ፈፂሙ ክምክት ዝኽእለሉ ዕድል ኣይህልይን፡፡

ዩኤምዲ ሚዲያ፡ ምዕራብ ትግራይ ዝምልከትኸ?

መልሲ፡ ኣብቲ ስምምዕ ዘይምጥቃሱ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ሱቅ ኢልካ ብውሽጢ ተስማዕሚዕና ኢና ዝብሃል ነገር ኣይሰርሕን፡፡ ካብ ትግራይ ወፃኢ ካብ ልኾን ክልተ ዓመት ኾይንዎ ናብ ሳልሳይ ዓመት ይኾኖ ኣሎ፡፡ ”ኣብ ኢድኻ ምእታው ማለት ምስ ጊዜ ዳርጋ ናይ ባዕልኻ“ ዝብሃል ነገር ኣሎ፡፡

ዩኤምዲ ሚዲያ፡ ኣብ መወዳእታ ትብሎ ተሃሊዩ?

መልሲ፡  ህወሓት ነዚ ስምምዕ ብምፍራም ካብ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ገዛኢ ኤርትራን  ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ንፅንተት ህዝቢ ትግራይ  ዝሰርሕ ሓይሊ ተጣይሽ ኸምዘላ ፈሊጡ ኣብ ሰራዊት ይኹን ኣብ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዘሎ ኹሉ ትግራዋይ ብውነን ብሓድነትን ኽቃለስ ኣለዎ፡፡ ንኣብነት ንስልኪን ኢንተርኔትን ምኻፋት ኽልቲኦም ካብ ኣዲስ አበባን መቐለን ኾይኖም ኸደንጉዪዎ ስለዝኽእሉ ብህፁፅ ምቅላስን ምቅላዕን የድሊ፡፡

ዩኤምዲ ሚዲያ፡ የቐንየልና!

ናይ ዩኤምዲ ሚዲያ ሓበሬታ፡ መልሲ ኽህብሉ ንኣይተ ጌታቸው ረዳን ንፕሮፌሰር ኽንደያ ገብረህይወትን ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ ቃለ መሕትት ቅድሚ ምህታምና ሊዕኽልናሎም ኢና፡፡ ኣብ ዝበጽሐና እዋን ከነቅርቦ ኢና፡፡

UMD Media

View all posts