ዶ/ር ገብረሚካኤል ገብረመስቀል ዘርኣፅዮን

I. መእተዊ

ወፍሪ ዘርኢ ምፅናት ትግራይ ካብ ዝጅመር 2 ዓመታት ሓሊፍዎ ኣሎ። እዚ ወፍሪ ‘ዚ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ትግራዋይ ዝሃለቐሉ፥ ከባቢ 10% ደቂኣነስትዮ ትግራይ ዝትዓመፃሉ፥ መሰረት ትግራዋይነት ዝኾኑ ቕርስታት ዝዓነውሉ ኾይኑ ሓሊፉን ሐዚ’ውን ይቕፅልን ኣሎ። ኣብዚ ወፍሪ ‘ዚ ህዝቢ ትግራይ ዓርሱ ንምክልኻል ዝገበሮ መኸተ ዘስደምምን ምናልባት ብፅሑፍ ክትገልፆ ክተነኣእሶ ተዘይኮይንካ እኹል ቃላት ወይ ‘ውን መግለፂታት ዘይትረኽበሉን እዩ። ናይ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምጥፋእ ዕላማ ‘ውን ከምኡ ኣስደማሚ ብዝባሃል መልክዑ ዘይሕለልን ብዝኾነ ይኹን ፅዕንቶታት ዘይልወጥን ኾይኑ እዩ ተራእዩ።

ድሕሪ ብዙሕ ናይ ዓውደ ዂናት ምልውዋጣት ዝሓለፈ ጥቅምቲ ልክዕ ኣብ 2ይ ዓመት ምጅማር እቲ ዂናት ተፃባእቲ ሓይልታት ዝተብሃሉ ህወሓትን መንግስቲ ኢ/ያን ውዕሊ ሰላም ኸቲሞም ኣለዉ። እዚ ውዕሊ ሰላም ሕማቕ ድዩ ፅቡቕ ብዘየገድስ ኣብ ቀፃሊ ኣንፈት ቃልስና ዓብይ ፅልዋ ዘለዎ ነገር ስለዝኾነ ትርጉም፣ ረብሓን ጉድኣትን እዚ ውዕሊ ሰላም ብዕምቆት ክንግምግሞ ኣለና። ብሰንኪ እዚ ውዕሊ ሰላም እንኣትዎ ዘለና ብዓይነቱ ዝተፈለየ ሓዱሽ ምዕራፍ ድማ እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ገምጊምና ነቲ መድረኽ ዝምጥን ሓዱሽ ናይ ቓልሲ ኣንፈት ክንሕንፅፅ ኣለና።

II. ውዕሊ ሰላም

መሰረታዊ ባህርታትን ትርጉምን እቲ ውዕሊ ሰላም

  • እቲ ውዕሊ ሰላም ነቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ብዘይገልፅ መልክዑ ኣብ ክንድ ኣብ ሞንጎ መንግስትታት ትግራይን ኢ/ያን ዝግበር ኣብ ሞንጎ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ኢ/ያን እዩ ተጌሩ። እቲ ህዝቡን መሬት ዓደብኡን ንምውሓስ ዝተፈጠረ ሰራዊት ትግራይ ‘ውን ዕጡቓት ህወሓት ብዝብል ክፍለጡ እዩ ተጌሩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ኣብልዕሊ ምጥሓሱ መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ትግይ ምሉእ ብምሉእ ዝጠሓሰ እዩ።
  • እዚ ውዕሊ ሰላም ውዕሊ ሰላም ዘይኮነ ውዕሊ ኢድ ምሃብ እዩ። እቲ ውዕሊ ሓይልታት ህወሓት ኢሉ ንዝፅውዖም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑ ዘገድድ እዩ። እዚ ወትሃደራዊ ኢድ ምሃብ ክኸውን ከሎ እቲ ኢድ ምሃብ ግን ወትሃደራዊ ጥራይ ዘይኮስ ኮላይ ፖለቲካዊ ‘ውን እዩ። ኣብቲ ውዕሊ እቲ ህዝቢ ትግራይ ህልውንኡ ንምውሓስ ኣንፃር ፅንተት ዘርኢ ከምኡ ‘ውን ኣንፃር ጥሕሰት መሰል ርእሰ ውሳነ ዝገበሮ ዂናት “ናይ ፌደራል ወፍሪ ምኽባር ሕጊ” ከምዝነበረ ተጌሩ እዩ ተቐሚጡ። እዚ ህዝቢ ትግራይ ን2 ዓመታት ዝተዋደቐሉ ፖለቲካዊ ሕቶታት ኣሕሊፉ ዝህብ ስለዝኾነ ፖለቲካዊ ኢድ ምሃብ እዩ። ፖለቲካዊ ኢድ ምሃብ ልዕሊ ወትሃደራዊ ኢድ ምሃብ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ምኽንያቱ ብወትሃደራዊ መዳይ ኢድ ምሃብ ግዝያውን ነቲ መቃለሲ ዕላማ ዘይቐትልን ክኸውን ከሎ ፖለቲካዊ ኢድ ምሃብ ግና ነቲ ወትሃደራዊ መዳይ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ መቃለሲ ዕላማ ‘ውን ዝቐትል እዩ። When you surrender militarily you lose the war but when you surrender politically you also lose the cause.

ኣብዚ ካልእ ክነስተባህሎ ዘለና ጉዳይ ‘ሎ፥ ንሱ ድማ ወትሃደራዊ ኢድ ምሃብ ተገዲድካ፥ ብወትሃደራዊ ግጥም ተሳዒርካ ክትገብሮ ትኽእል ነገር ክኸውን ከሎ ፖለቲካዊ ኢድ ምሃብ ግና ባዕልኻ ፍቓደኛ እንተዘይኾይንካ ፀላኢ ኣገዲዱ ከሕድገካ ዘይኽእል ነገር እዩ። ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ዕላማ ኣብ ቀልብን ልብን ተቓለስትን ሓደ ህዝብን ዝነብር ዘይድህሰስ ነገር ስለዝኾነ ተቓለስቲ ከምዚ ሐዚ ኣብ ጠረጴዛ ፈሪሞም እንተዘይኣረኪቦምዎ ብዂናት ስለዝተሰዓርካ ወይ ‘ውን ዕጥቂ ብምፍታሕኻ ዝመዉት ነገር ኣይኮነን። ከም ኣብነት፣ እዚ “ውዕሊ ሰላም” እንተዘይግበር ‘ሞ ንበል ፀላእቲ ምሉእ ብምሉእ እንተዝስዕሩና ዕጥቅና ከፍትሑና ይኽእሉ፥ ነቲ ናይ ህዝቢ ትግራይ መቃለሲ ዕላማ ግን ፈፂሞም ከጥፍእዎ ኣይኽእሉን።  ሐዚ ግን እዚ ፀላእቲ ክንድዝሓየሉ ተሓየሉ ኣብ ዂናት ክረኽብዎ ዘይኽእሉ ናይ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ ዕላማ ምቕሃም ወይ ተነኣሰ ካዓ ምድኻም ኣብ ጠረጴዛ ፕሪቶርያ ረኺቦሞ እዮም ። እዚ ማለት ግን ሐዚ ‘ውን ዝተወሰኑ መራሕቲ ፖለቲካዊ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ዝሸይጥ ወረቐት ስለዝፈረሙ እቲ ዕላማ ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ክቕህም ማለት ኣይኮነነ፥ እቲ ዕላማ ህዝባዊ ስለዝኾነ። በዚ ውዕሊ እዚ ኣይዳኸምን ማለት ግን ኣይካኣልን።

  • እዚ ውዕሊ ‘ዚ ነቲ ወፍሪ ዘርኢ ምፅናት ትግራይ ዝነበረ ዂናት፣ “ፌደራላዊ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ” ከምዝነብረ ብምምሳል ንህዝቢ ትግራይን ቓልሱን ከምኡ ‘ውን ንግዳያት ጄኖሳይድ ትግራይ ዝኽሕድ እዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ ከምዝተገለፀ መቃለሲ ዕላማ ህዝቢ ትግራይ ዝቐትል ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ ንግዳይ እቲ ዂናት ዝኾነ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊቱን ናይ ገበን ተሓተቲ፥ ብኣንፃሩ ገበነኛታት ዘርኢ ምፀናት ዝኾኑ ሓይልታት ድማ ፈረድትን ወሃብቲ ፍትሕን ዝገብር ስጊንጥር ውዕሊ ‘ውን እዩ።
  • እዚ ውዕሊ ዓለምለኸ ሕጊ ብምጥሓስ ሰብኣዊ ሓገዝ መዋገዪ ፖለቲካ ዝገበረ ውዕሊ እዩ።
  • እዚ ውዕሊ ‘ዚ ስልጣን ምርግጋፅ ፍትሒ ንገበነኛታት ዝሃበ ውዕሊ እዩ። ጉዳይ ምርግጋፅ ፍትሒ ብዘይሻራውያን ዓለምለኸ መስርሓት ክኽወን ዝደሊ ንሕና ጥራይ ዘይኮንና ‘ኮላይ ናይቲ ዝተገብረ ውዕሊ መላዘብቲ ኣካላትን ዳርጋ ኹሉ ማሕበረሰብ ዓለምን እዩ። ከምዚ ዓይነት ዓለምለኻዊ ድጋፍ ኣብዘለሉ ኣርእስቲ ንምንታይ ጉዳይ ፍትሒ ኣብ ዓለም ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዕ ንሓደ ካብቶም ተፃባእቲ ኣካላት ክወሃብ ክኢሉ? ኣብዙ ጉዳይ ተላዘብቲ ትግራይ ደፊኦም ተዝማጎቱ ክዕረ ዝኽእል ዝነበረ ጉዳይ ምዃኑ ምግማት ይክኣል። ንምታይ ድኣ ‘ሞ ከምዚ ኾይኑ? ኹልና ኣፀቢቕና ከምንዕዘቦ መራሕቲ ነበር መንግስቲ ትግራይ ዝወፀሎም ኢትዮጵያዊ ብሄርተኛታት እዮም። እዚ ጉዳይ ጄኖሳይድ ኸይዱ ኸይዱ ኣፍልጦ እንተረኺቡ ኢ/ያ ክብትና እዩ ዝብል ስግኣት ስለዝሓደሮም ጉዳይ ምፅራይ ገበንን ፍትሕን ንመንግስቲ ኢ/ያ ከረክብዎ ወሲኖም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ ‘ውን ውድባዊ ህልውና ህወሓት ንምውሓስ ንመንግስቲ ኢ/ያ ከም ውህብቶ ዝተውሃበ ጉዳይ ክኸውን ይኽእል እዩ።
  • እዚ ውዕሊ ህላወ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ብህላወ ሓደ ውድብ ዝተሸጠሉ ውዕሊ እዩ። ኣብዚ ውዕሊ ‘ዚ ካብ ሰብኣዊ ሓገዛት ወፃእ ካልእ ንትግራይ ዝምልከት ዝተረኸበ ረብሓ ኣሎ እንተተባሂሉ ህወሓት ካብ ሽም ግብረ-ራዕዲ ክትወፅእ ዝብል ጥራይ እዩ። ካብዚኹሉ ፖለቲካዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ሓንቲ ጥራይ ንምልክት ኣብ ውዕሊ ክትኣቱ ክኢላስ ንሳ ‘ውን ኣብክንድ ብዛዕባ ትግራይ ትኸውን ብዛዕባ ሓደ ውድብ ጌሮማ። እዚ ክንግምቶ ከምእንኽእል ፀላኢ ካብዝቐረቡ ናይ ትግራይ ሕቶታት ነዚኣ መሪፁ ስለዝተቐበለ ኣይመስለንን፥ ተላዘብቲ ትግራይ ሕቶታት ትግራይን ሰራዊት ትግራይን ድሕሪ ሕቶታትን ረብሓን ሓደ ውድብ ሰሪዖም ስለተላዘቡ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣብ ነበር መንግስቲ ትግራይ ዝነበረን ዘሎን ትግራይ ዘየቐድም ግጉይ ናይ ቕደም ሰዓብ ኣሰራርዓ መርኣያ እዩ። ቕድሚ ፍትሒ ንግዳያት ጄኖሳይድ ትግራይ፣ ቕድሚ ህላወ ሰራዊት ትግራይ፣ ቕድሚ ምምላስ ግዝኣታት ትግራይ፣ ህላወ ሓደ ውድብ ቐዳምት ሰሪዕኻ ምልዛብ ንህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ጥልመት እዩ።

ስግኣታት ውዕሊ ሰላም

እዚ ውዕሊ ከምዘለዎ እንተተተግቢሩ ‘ሞ ንሕና ካዓ ነቲ ኹነታት ዝምጥን ምትዕርራያትን ምትዕፅፃፋትን ጌርና እንተዘይሰሪሕና፥ TDF ‘ውን ዕጥቁ እንተፈቲሑ ውፅኢት እዚ ውዕሊ፥ ምሉእ፣ ዘይምለስ ግን ድማ ሰላሕታዊ (Slow but complete and irreversible) ምፅናት ትግራይ እዩ ክኸውን። ነዚ ፀላእቲ ከመይ ከተግብርዎ ይኽእሉ ኢልና እንተሓሲብና ድማ ክግመቱ ዝኽእሉ ኣካይዳታት ፀላእቲ ኣለዉ። ንሳቶን ድማ፥ ግዝኣታት ትግራይ ምስተቖራረሱ ክተርፉ ምግባር፥ ነቲ ኣብታ ዝተረፈት መሬት ትግይ ዝህሉ ህዝብና ድማ ብናይ ኢኮኖምን ካልኦትን ሻጥራት ፋሕ ፋሕ ኢሉ ክበታተን ምግባር፥ ነቲ ካብ ምብትታን ዝተርፍ ውሑድ ህዝቢ ካዓ ኣማኢት ኣሻሓት ወትሃደራት ኢ/ያ ኣስፊርካ ክትሓናፈፅን መንነቱ ክጠፍእን ምግባር ካብቶም ክግመቱ ዝኽእሉ ኣካይዳታት ፀላእቲ እዮም። እዚ ሰላሕታዊ ፅንተት ካዓ ብሽም ሰላምን ኣብ ትሕቲ ሰላምን ስለዝካየድ ዓለም ‘ውን ኣቓልቦ ኣይክትህቦን እያ። ነዚ ተረዲእና ብቕልጡፍ ብምትዕፅፃፍ ፖለቲካና እንተዕሪና፥ ዓቕምና እንተኣኪብና፥ ግና እዚ ስግኣት ምውጋድ ጥራይ ዘይኮነ ኾላይ ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ምግሃድ ይክኣል።

ፀጋታት ‘ዚ ውዕሊ ሰላም

እዚ ውዕሊ ሐዚ ብዘለዎ ትሕዝቶን መንፈስን ዝህበና ፀጋታት ዳርጋ ዘየለ ‘ኳ እንተኾነ፥ እዚ ውዕሊ እዚ ፈተና ፀላእና ኣብ ቓልስና ዓብይ ፅልዋ ዘለዎን ጎሳሲኻ ክሕለፍ ዘይኽእል ስለዝኾነን ግና ፀጋታት ዋላ ብላምባዲና ኣሊሽና ክንረኽበሉ፥ ረብሓ ከምእንረኽበሉ ኾይኑ ክዕረ ክንቃለስ፥ እንረኽቦ ፀጋታት ካዓ ሓጣጢጥና ክንጥቀም ናይ ግድን እዩ። እቲ ውዕሊ ሐዚ ብዘለዎ ትሕዝቶ ዘልዎ ጸጋታት እዘን ኣብታሕቲ ተቐሚጠን ዘለዋ 2 ንጥብታት ጥራይ እየን ክኾና ዝኽእላ።

  1. ምቅላል ሰብኣዊ ቕልውላው፡ ህዝብና እተን ዝርካበን ዓበይቲ ፖለቲካዊ ሕቶታት ብምህጋር ክርከባ ዝኽእላ ሰብኣዊ ሓገዛት ክረክብ እዚ ውዕሊ እዚ ይሕግዝ ይኸውን።
  2. ንውሽጣዊ ገምጋማትን ምትዕርራያትን ዝኸውን ዕድል ምፍጣር፡ ትግራይ ቖሪኑ ሒዝዋ ዘሎ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ፀገማ ክትፈትሕ ዕድል ይፈጥር። ንምንታይ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ከምዚ ክወድቕ ከምዝኸኣለ ካብዚ ቐፂሉ ኽንትንትኖ ክንፍትን ኢና፥ ነገር ግን ዳርጋ ንኹልና ከሰማምዐና ዝኽእል ነገር እንተሎ ቐንዲ ምኽንያት ውድቀትና ኣዝዩ ዝደኸመ ፖለቲካዊ መሪሕነትና ምዃኑ እዩ። ካብዚ ብምብጋስን ብተግባር ‘ውን ከምዝተርኣየን፥ እቲ ሐዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ሒዝካ ምዕዋት ኣይከኣልን። እዚ ውዕሊ እዚ ብብልሕን ጉርሕን እንተተጠቒምናሉ ምናልባት እዚ ንውድቀትና ምኽንያት ዝኾነ ፖለቲካና ንምዕራይ ክጠቕም ይኽእል።

III. ንምንታይ ቓልስና ከምዚ ክወድቕ ክኢሉ?

እዚ ውዕሊ መርድእ ውድቀትና ከምዝኾነ ንኹልና ዘሰማምዐና ነገር እዩ። ንምንታይ ግን ከምዚ ክንወድቕ ክኢልና? ከምዚ ዝመስለ ረብሓና ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዝሸይጥ ውዕሊ ዝፈረምናሉ ምኽንያት ኣብ ባይታ ብዝገጠመና ወትሃደራዊ ድኽመትን ናይ ፀላእቲ ልዕልናን እዩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም። እንተኾነ ግን እዚ ውዕሊ እዚ ንሓደ ጠቕሊሉ ብወትሃደራዊ መዳይ ዝተስዓረ ሓይሊ ‘ውን ዝምጥን ኣይኮነን። ስለምንታይሲ፥ ሓደ ምሉእ ብምሉእ ዝተስዓረ ሓይሊ ዕጥቁ ክፈትሕን ኢዱ ክህብን ይኽእል እዩ። ንቓልሱ ምኽንያት ዝኾንዎን መስዋእቲ ዝኸፈለሎምን ፖለቲካዊ ዕላማታትን ናይ ዝበፅሑ ጉድኣታት ፍትሒን ግን ኣሕሊፉ ክህብ ኣይኽእልን። ንሕና እዚ ኹሉ ኢና ኣሕሊፍና ሂብና። ስለዚ ንዚ ውዕሊ ክንፍርም ዝገበሩና ልዕሊ ወትሃደራዊ ድኽመታትና ዝኸዱ ካልኦት ፀገማት ግድን ኣለዉ ማለት እዩ ።እዚኦም ካዓ ናይቲ ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ መሪሕነት ፀገማት እዮም ኽኾኑ ዝኽእሉ።

ገምጋም

ዂናት ልዕሊ ኹሉ ፖለቲካዊ ግጥም እዩ። ነቲ ወትሃደራዊ ግጥም ፖለቲካ እዩ ዝመርሖ። እቲ ወትሃደራዊ ሓይሊ መቃለሲ መንገዲ (tool) እዩ። ስለዚ ኣብ ዂናት ክትስዓር ወይ ‘ውን ክትደክም ከለኻ እቲ ድኽመት ወይ ኣብቲ ወትሃደራዊ ሓይሊ ወይ’ውን ኣብቲ ንዕኡ ዝመርሖ ፖለቲካ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ንሕና ኣብ መኒኡ ኢና ወዲቕና? ኣብቲ ወትሃደራዊ መዳይ ወይስ ኣብቲ ፖለቲካ? ወትሃደራዊ ቑመና ሰራዊት ትግራይ ብደቂቑ ክንግምግሞ ፍልጠትን ዓቕምን የብለናን፥ ግን ድማ ንኹሉ ርኡይ ዝኾነ ነገር ኣሎ። ሰራዊት ትግራይ ተኣመራዊ ወትሃደራዊ ሓይሊ ከምዝኾነን ተኣምር ከምዝሰረሐን ኹልና ንፈልጥ፥ ዓለም ‘ውን ትፈልጥ። ብቑፅሪ፣ ሎጂስቲክስ፣ ቴክኖሎጅን ልዕሊ ኹሉ ካዓ ብፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ሽፋን ንዝበልፅዎ ሓይልታት፣ ሓቦ፣ ፅንዓትን ፍቕሪ ህዝቡን ጥራይ ሰኒቑ ከምዝመከቶምን ከምዝሰዓሮምን ዝፍለጥ ሓቂ እዩ ። ሰራዊት ትግራይ ንፀላእቱ ደጋጊሙ እዩ ስዒርዎም። ነቲ ወትሃደራዊ ዓወታት መፈፀምታ ዝህብ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ስለዝተስኣነ ግና ዝተስዓሩ ሓይልታት ደደጊሞም እናተወደቡ ንሰራዊትና ክገጥምዎ ኽኢሎም እዮም። ልዕል ኢሉ ከምዝተጠቐሰ ኻዓ ወትሃደራዊ ግጥም መሳርሒ ፖለቲካዊ ሕቶ ሰለዝኾነ ወትሃደራዊ ግጥም ብዘይ ብቑዕ ፖለቲካን ፖለቲካዊ መሪሕነትን ክዕወት ኣይኽእልን።

ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 2 ናይ ቃልሲ ዓመታት ኣዝዩ ውዱቕን ኣንፈቱ ዘይፍለጥን ኾይኑ እዩ ፀኒሑ። ካብ መጀመርትኡ’ውን ድኽመት ፖለቲካዊ መሪሕነት ንፀላእቲ ብዝፈጠሮ ዕድል እዩ ወፍሪ ዘርኢ ምፅናት ክእወጅን ክትግበርን ዝበቐዐ። ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ክብሃል ከሎ ኣብ ባይታ ነቲ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ ስልጣን ዓቲሩ ዝመረሖ ህወሓት ስለዝኾነ ገምጋምና ኣብ ድኽመታት ህወሓት ከተኩር ግድን እዩ። ከምዚ ክንወድቕ ዝገበሩና መሰረታዊ ፖለቲካዊ ሕመቓት ህወሓት እንታይ እንታይ እዮም?

ንውድቀትና ምኽንያት ዝኾኑ ሕመቓት ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ(ህወሓት)

ንፀገምካ መፍትሒ ናይ ምርካብ ናይ መጀምርታ ትኽክለኛ ስዳሮ ፀገምካ ብኣግባቡን ብልክዑን ምፍላጥ እዩ። ሕመቓት ፖለቲካዊ መሪሕነትና ብዘይንሕስያ ክንግምግሞምን ብዘይስኽፍታ ክንዛረበሎምን ኣለና። እዚ እንገብር ናይ ምንቃፍ ወይ ‘ውን ይ ናይ ምፅራፍ ኣመል ስለዘለና ዘይኮነስ መፍትሒ ንምርካብ እቲ ቑስሊ ብኣግባቡን ብልክዑን ክፍለጥ ስለዘለዎ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ንውድቀትና ምኽንያት ዝኾኑ ቐንዲ ሕመቓት ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ (ህወሓት) ከምዝስዕብ ምጥቕላል ይከኣል።

  1. ናይ ኣረኣእያ(Perspecive) ሽግር

ህወሓት ብኣረኣእይኡ ኣድማሳዊ ማርክስሳውን ኢትዮጵያውን ሓይሊ እዩ። ኣድማሳውነትን ማርክስሳውነትን ንህዝብታት ዓለም ብማዕረ ዓይንን ብናይ ደርቢ ፍልልይን መነፅር ጥራይ ብምርኣይ ተሓላቕነት ነቲ ትውክሎ ህዝቢ ወይ ብሄር ዘህስሱ ኣረኣእያታት ኣዮም። ኣድማሳዊ ዝኾነ ሰብ ናይ መጠንን ዓይነትን ጉድኣታት ብዘይገድስ ንኹሎም ሓይልታትን ህዝብታትን ጨቋንን ተጨቋንን ኣብ ዝብል ኸረጢት ጥራይ ኣእትዩ እዩ ዝሪኦ። ብኡ መሰረት መፍትሒ ናይ ኹሎም ዝተጨቆኑ ዝበሎም ህዝብታት ድማ ኣብ ሓደ ማዕቐፍ ኣእትዩ ክፈትሖ ጥራይ እዩ ዝረኣዮ። ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ወይ ‘ውን ህወሓት ‘ውን ክም መጠን ኣድማሳዊ ማርክስሳዊ ሓይሊ ሽግር ትግራይ ምስ ካልኦት ተበዲሎም ዝበሎም ህዝብታት ኣብ ሓደ ማዕቐፍ ኣእትዩ ዝርእን መፍትሒኡ ‘ውን ከምኡ ነቲ በዳሊ ዝብሎ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ብምእላይ እዩ ዝፍታሕ ኢሉ ዝኣምንን ሓይሊ እዩ። ካልእ፥ ህወሓት ኣብ ውድባዊ ዕላምኡ ናይ ኢ/ያ ‘ምበር ናይ ትግራይ ኣጀንዳ የብሉን። ስለዝኾነ ብዛዕባ ረብሓታት ትግራይ ኣይግደስን። ረብሓታት ኢ/ያ ከም ዕላማ ረብሓታት ትግራይ ግን ከም dispensable ታክቲካል ናይ ቓልሲ/ስልጣን መሳርሒ ዝወስድ ሓይሊ እዩ። ሕሉፍ ዕጥቃዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተዛዘመሉ መንገዲ ናይዚ ርኡይ ኣብነት ክኸውን ከሎ ርሑቕ ከይኸድና ኣብቲ ናይ ሐዚ ውዕሊ ሰላም ‘ውን ብግልፂ ተንፀባሪቑ እዩ። ህወሓት ዝሕለቐሉ መጀምርታ ንውድባዊ ረብሓታቱ ክኸውን ከሎ ቐፂሉ ድማ ንረብሓታት ኢ/ያ እዩ። ኹሎም ሕቶታት ትግራይ ንድሕሪት ገዲፉ ህላወ ውድቡ እተውሕስ ምልዓል ስያመ ግብረ ራዕዲ ኣብቲ ውዕሊ ክትኣቱ ምምራፁ ድማ ናይዚ መርኣያ እዩ።

እዚ ናይ ኣረኣእያ ሽግር ኣብ’ቲ ዂናት ናይ ኣሰላልፋ ሽግር ‘ውን እዩ ፈጢሩ። ስትራተጂካዊን ታክቲካውን ፀላእቲ ብምፍልላይ በበይኖም ክንግጥሞም ዝነበረና ብሰንኪ ግጉይ ኣረኣእያ ህወሓት ኣይተኽኣለን። ንኣብነት ካብቶም 3 ሕብረት ዝፈጠሩ ፀላእቲ፥ ሓይልታት ኣምሓራን ህግደፍን ፅልኦም ትግራዋይነት ስለዝኾነ ብፖለቲካዊ ሕድገታት ክትትዓረቖም ዘይትኽእል ስትራተጂካዊ ፀላእቲ ክኾኑ ከለዉ ኣብዪ ግና ፅልኡ ብዋናነት ስልጣኑ ምስዝፃብኦ ሓይሊ ብምዃኑ ስትራተጂካሊ ፀላኢ ኣይነበረን። ምስ ኣብዪ ኾይንካ ድማ ካልኦቶም ዝዳኸምሉ መንገዲ ምፍታን ይግባእ ኔሩ እዩ። ነገር ግን እዚ ዝረኣየካ ናይ ትግራይ ረብሓታት ምስእተቕድም እዩ ‘ምበር ቕደም ስዓብ ረብሓታትካ ዝተፈለየ እንትኾይኑ ቕደም ስዓብ ፀላእትኻ ‘ውን ብኡኡ መሰረት ክፍለ ግድን እዩ። ህወሓት ካዓ ናይ መጀምርታ ረብሕኣ ወድባዊ ህልውንኣን ስልጣናን ስለዝኾነ ቐዳማይ ስትራተጂካዊ ፀላኢኣ ህግደፍ ወይ ‘ውን ሓይልታት ኣምሓራ ዘይኮኑስ ኣብዪ ክኸውን ባህርያዊ እዩ፥ ምኽንያቱ እቲ ስልጣን ምስኡ ኣብዪ ስለዘሎ። ብኸምዚ ካዓ ኣብዪ ንህልውንኡን ስልጣኑን ኣብ ህግደፍ ክንጥልጠል ኣገዲድናዮ፣ ሕብረት ፀላእትና ዘይነፃፀል ጌርናዮ። እዛ ፀላእቲ ናይ ምፍልላይ ዕድል እዚኣ ንምጥቃም እቲ ዝበለፀ ግዜ መንግስቲ ትግራይ ናብ ቦትኡ ኣብ ዝተመለስሉን ሰራዊትና ናብ ኸባብታት ኣምሓራ ወፊሩሉ ኣብዝነብረን ግዜ እዩ ኔሩ ። እዚ ሓቂ ‘ዚ ግን ምስ ግዜን ኹነታትን እናተቐየረ ኸይዱ እዩ። ምስ ግዜ ናይ ኣብዪን ኢሳያስን ህላወን ስልጣንን ብዝበለፀ እናተኣሳሰረ፣ ርክቦም ናብ ስትራተጂክ ደረጃ እናዓበየ መፂኡ እዩ። ብእኡ መጠን ድማ ሐዚ ናይ ምፍልላዮም ዕድል ኣዝዩ ፀቢብ እዩ።

2. ናይ ባህሪ(Character) ሽግር

ኣብ ህወሓት ዘለዉ ናይ ባህሪ ሽግራት ተምበርካኽነት፣ ብልሽውና (corruption)ን ስእነት ቕንዕናን (lack of integrity እዮም።

2.1 ተምበርካኽነት

ነዊሕ ዝፀነሐ ውድባዊ ባህሪ ህወሓት እዩ። ህወሓት ብፖለቲካ ተባዕ፣ ንረብሓታት እቲ ዝውክሎ ህዝቢ ብዘይንሕስያ ዝሟጎት ውድብ ኣይኮነነ። ከም መርኣያ ናይዚ ባህሪ እዚ ገለ ኣብነታት ክንጠቅስ እንተኾይንና፥ ኣብ ኢትዮ ኤርትራ ግዜ ዘጋጠመ ምዝኽኻር እኹል እዩ። ንፅዕንቶ ምዕራባውያንን ሻዕብያን ሸብረኽ ብምባል ምሉእ ወትሃደራዊ ዓወታት ዂናት ኢትዮ ኤርትራ ናብ ጠረጴዛ ወሲዱ ብምሕንሻሽ ናብ ጠቕላላ ስዕረት ዝቐየረ ሓይሊ እዩ ህወሓት። ኣብዙ ዂናት ኣንፃር ወፍሪ ፅንተት ‘ውን ተኾነ ብፅዕንቶ ምዕራባውያን ካብ ኸባብታት ዓፋርን ኣምሓራን ብምንስሓብ፥ ከምኡ ‘ውን ናይ ኢድ ምሃብ ውዕሊ ብምፍራም እቲ ተምበርካኽነት ከምዘይጠፈአ ብግልፂ ተመስኪሩ እዩ። እዚ ስነልቦና እዚ ካብምንታይ ከምዝብገስ ንምፍላጥ ‘ኳ ኸቢድ እንተኾነ ኣብ ረብሓታት ትግራይ ኸቢድ ማህሰይቲ ከምዘውረደ ግና ዘጠራጥር ኣይኮነን።

2.2 ብልሽውና (Corruption)

ብልሽውና ኣብ ምምካት ወራራት ፀላእቲ ዝፈጠሮ ፅዕንቶ ቐሊል ኣይኮነን። ነበር መንግስቲ ትግራይ ሰነ 2014 ናብ ቦትኡ ምስተመለሰ እቶም ንነዊሕ ዓመታት ገቢሎም ዝነበሩ ባህርታት ብልሽውና ተመሊሶም እዮም መፅዮም። ኣብ ትግራይ ዕፅዋ ዝፈጠሮ ኸቢድ ኢኮኖምያዊ ቅልውላው ናብ ረብሕኦም ንምውዓል ብዙሓት ሰበስልጣናትን ሃፋትምን ንሰራዊት መሰረታዊ ዝኾኑ ከም ባዓል መድሓኒት፣ ነዳድን ስንቅን ከይተረፈ ብምስራቕ ኣብ ንግዲ ተዋፊሮም ከንዝነብሩ ሓበሬታታት ኣሎ። እዚታት ዝፈጠሮ ዋሕዲ ሎጂስቲክስ ንምድኻም መኸተ ሰራዊትና ዓብይ እጃም ከምዝነብሮ ኣይሰሓትን። ሳዕቤን ብልሽውና ግና ኣብዚ ዝሕፀር ‘ውን ኣይኮነን። ስምረትን ተወፋይነትን ህዝብና ‘ውን ከምዝፀሉ ርዱእ እዩ።

2.3 ናይ ቕንዕና (Integrity) ሽግር

ህወሓት እቲ ስትራተጂክ ዕላማታቱ ሽፋፊኑ ናይ ትግራይ ብሄራውነት ከም ታክቲካዊ መካየዲ ቓልሲ፣ ስልጣን ወይ ‘ውን ውድባዊ ህልውና ዝጥቀም ሓይሊ እዩ። ኣብ ዕላምኡ ናይ ትግራይ ኣጀንዳ ዘይብሉ እንከሎ ከም ሓቀኛ ተሟጓታይ ረብሓታት ትግራይ መሲሉ ንህዝቢ ትግራይ ዘታልል እዩ። መርገፂኡ ከከም ኣድላይነቱ ንስልጣንን ውድባዊ ህልውናን ብዝጥዕም መንገዲ ዝቐያይር ሓይሊ እዩ። ስትራተጂክ ዕላማታቱ ንስልጣንን ውድባዊ ህልውንኡን ክብል ዝሓብእን ንህዝቢ ዘታልልን እዩ። ህወሓት ኣብ ኣዲስኣባባ ጭው ዝበለ ኢ/ያዊ፥ ኣብ በረኻታት ትግራይ ጭው ዝበለ ትግራዋይ ኣብ መቐለ ድማ ላንጋ ላንጋ ኾይኑ እዩ ንባዕሉ ዘቕርብ። ናይ ብሓቂ ዕላምኡ ግና ብሓሳብ ደረጃ ወያናይ ዲሞክራሲ ፣ብስምዒት ደረጃ ድማ ኢ/ያዊ ምዃኑ ሰነዳቱ ኣንቢብካ ምርዳእ ይክኣል። ህዝብና ብኸምዚ ዝበለ ስእነት ቕንዕና እናተታለለ ህዝብን ዝመርሖ መሪሕነትን በበይኖም ኣንፈት ግን ኣብ ሓደ ዓንኬል ክኸዱ እዮም ፀኒሖም። ሐዚ ድሕሪ ምፍራም ናይ ኢድ ምሃብ ውዕሊ ‘ውን ተኾነ ብቕንዕና ኣብክንድ ነቲ ህዝቢ ኣኽቢርካ ነቲ ሓቂ ምግላፅ፥ ነቲ ዝተፈረመ ውዕሊ ኢድ ምሃብ መቐፀልታ ዓወታት ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነ እናምሰሉ እዮም ዘታልልዎ ዘለዉ።

እዚ ናይ ቕንዕና ፀገም ንነዊሕ ግዜ ፖለቲካዊ መስርሕ ህወሓት ሓናኺሩ ብዙሓት ዕድላት ህዝቢ ትግራይ ዘጥፈአን ንባዕላ ህወሓት ‘ውን ኣዝዩ ዘዳኸመን ባህሪ ‘ቲ ውድብ እዩ። ንኣብነት ኣብ ፖለቲካ ኢ/ያ ህወሓት ናይ ብሓቂ ኣብ ሓበራዊ ረብሓታት ዝተመስረተ ግንባር (Alliance) ሃሊዎ ኣይፈልጥን። ካብ ስእነት ቕንዕና ዝተልዓለ ስትራተጂካዊ ፈትውቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ከምንብዓል ኦነግ ገዲፉ ምስ ቂም ዝቛፀሩ፥ ምሩኻትን ዕድል ክሳብ ዝረኽቡ ቖርበቶም ቀይሮም ምስዝፀንሑ ሓይልታት ኣምሓራን እዩ ግንባር ፈጢሩ። እስካብ ሐዚ ኣብ መላእ ኢ/ያ ብዘይመሓዛ ኣትሪፉና ዘሎ ጉዳይ ‘ውን ካብዚ ዝብገስ እዩ።

3. ናይ ብቕዓት (Competency) ሽግር

ኹሎም ላዕሊ ዝተቐሱ ናይ ኣረኣእያን ባህርን ሽግራት ሒዝካ ‘ውን ብቑዕ ኣመራርሓ እንተሒዝካ ዓወትካ ህዝቢ ዘይጠቅም ክኸውን ይኽእል ‘ምበር ትዕወት ኢኻ። ህወሓት ግን ድሕሪ ሕልፈት ቐዳማይ ሚኒስተር መለሰ ኣብልዕሊ እቶም ኹሎም ካልኦት ሽግራታ ኣመራርሓ ኣልቦ ‘ውን እያ ኾይና ተሪፋ። ዒስራን ሸዉዓተን ዓመታት ኣብ ስልጣን ፀኒሑ ግና እዚ ዝበሃል ፈታዊ ዘየትረፈ፥ ቕድሚ ወራር ይኹን ድሕሪ ወራር እዚ ዝብሃል ናይ ቃልሲ ኣንፈት ኣነፂሩ ንዓለምን ጎረባብትን ክእምን ዘይከኣለ፥ ደድሕሪ ተግባራት ፀላእቲ እናተኸተልካ ዝግበር ናይ ግብረመልሲ ፖሊሲ እንተዘይኾይኑ እዚ ዝበሃል ናይ ባዕሉ ኣንፈት ከፍሪ ዘይከኣለ፥ ወትሃደራዊ ሓይሊ ትግራይ ዝሃቦ ዓወታት ናብ ፖለቲካ ከሽርፍ ዘይክኣለ፣ እኳደኣስ እናተቐበለ ዝሓንሸሸ ፖለቲካዊ ሓይሊ እዩ።

ናይ ጥይት ዂናት ጠጠው ኢልሉ ኣብዝነበረ 8 ኣዋርሕ ብትግራይ እዚ ዝበሃል ፖለቲካዊ ኾነ ዲፕሎማስያዊ ስራሕቲ ኣይተሰርሑን። ብኣንፃሩ ፀላእቲ ፅዑቕን ዕዉትን ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሕቲ እዮም ሰሪሖም። ንኣብነት መንግስቲ ኢ/ያ ኣብተን 8 ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ኣብዝፀነሐሉ እዋን ብፅንዓት ህዝብና ዝተሓንሸሻ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያውን ወትሃደራውን ዓቕምታቱ መሊሱ ክሃንፅ ድሕሪ ምፅናሕ እዩ ምድላዋቱ ምስወደአ ዳግማይ ዂናት ዝኸፈተ።

ብተደጋጋሚ ስትራተጅኻ ቐሊዕካ ምዝራብ ካልእ ምናልባት ካብ ምስኣን ፖለቲካዊ ብልሒ ዝብገስ ዓብይ ፀገም መራሕቲ ህወሓት እዩ። ሰራዊት ትግራይ ዝተጠቐመሎም ስልትታትን ከም መዋፈሪ ዝተጠቐመሎም ኸባብታትን፣ ሎጂስቲክስ ከመይ ይረክብ ከምዝነበረ ወዘተ ዝበሉ ኣዝዮም ብምስጢር ክትሓዙ ዝነበሮም ሓበሬታታት ክብተኑ እዮም ዝውዕሉ ኔሮም። ፕሮፖጋንዳ መንግስቲ ትግራይ ድማ እዚ ዝበሃል ስትራተጅን ዕላማን ዘይብሉ፥ ሰማዒኡ (Audience) ዘይፈሊ፥ ናይቶም ሓለፍቲ ወይ ‘ውን ተዛረብቲ ስምዒትን Egoን ንምርዋይ ጥራይ ዝግበር ዝነበረ ኾይኑ፥ ይትረፍ ነቲ ቓልሲ ክሕግዞ ፀላእቲ ሓይልን ሓድነትን ክፈጥሩ ዝገብር እዩ ኔሩ። እዚ ኹሉ ከም መርኣያ ስእነት ብቕዓት ኣመራርሓ መንግስቲ ትግራይ (ህወሓት) ጌርካ ምውሳድ ይከኣል።

እዞም ኹሎም ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ድኽመታት ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ምሕንሻሽ ወትሃደራዊ ዓወታት፣ ምጥፋእ ኣንፈት ቓልሲ፣ ምንጥብጣብ ዓቕሚ ትግራይን ውድቀት ዲፕሎማሲን ኣስዒቦም። እዞም ሳዕቤናት እዚኣቶም ድማ ነዚ ሐዚ ዘለናዮ ውድቀት ዳሪጎምና።

እቶም ንውድቀትና ምኽንያት ዝኾኑ ሕመቓት ነበር መንግስቲ ትግራይ (ህወሓት) ነዚኦም ይመስሉ። ነገር ግን ከም ህዝቢ ከምዚ ክንወድቕ ዝኽኣልና ብናይ ህወሓት ውድቀት ጥራይ ዘይኮነስ ኹሉ ልሂቅ ትግራይ ከም ልሂቅ ‘ውን ስለዝወደቐ እዩ። ህዝቢ ትግራይን ነቲ ቓልሲ ዝመርሕ መንግስትን ዕላምኦምን ኣንፈቶምን ተፃራሪ ምዃኑ እናፈለጥና ንምብራቕ ንክንበፅሕ ንምዕራብ ብዝኸዱ መራሕቲ ክንምራሕ ፈቒድናን ኣኺኢልናን ኢና። ልሂቅ ትግራይ ገሊኡ ኣብ ክንድ ብነፃነት ሓሲቡ ንህዝቡ ዝሕግዝ ካድረን መንጨብጨብን ብምዃን ንግጉይ ኣካይዳታት መሪሕነት ናህሪ ክህብ እዩ ፀኒሑ። እቲ ዝበዝሕ ድማ ናይቶም ዝነበሩና ሽግራት ርድኢት ዋላ ‘ኳ እንተሓዘ ንመፍትሒታቶም ግን ሐዚ’ውን ካብ ህወሓት ወይ መንግስቲ ትግራይ ዝፅበ ተፀባዪ ኾይኑ ‘ዩ ፀኒሑ። ውሑድ ድማ ነቲ ሽግር ተረዲኡ መፍትሒ ‘ውን ባዕሉ ከምፅእ ፀዓርዓር ኢሉ ግን ሓጋዚ ስኢኑ ኣይኮነሉን።

 እቲ ሓደ ዘሕዝነካ ነገር እቲ ንጥይት ዘይፈርሕ መርኣያ ጫፍ ጅግንነት ዝኾነ ሓዱሽ ወለዶ ብነፃነት ክሓስብ ግን ይፈርሕ። ንጥይት ዘይፈርሕ ንኽሓስብ ግን ዝፈርሕ ሰብ ካዓ ወይ ባርያ ወይ ሓሽከር እዩ ክኸውን ዝኽእል። ከም ባርያ ወይ ሓሽከር ካዓ ተሰዊእና ዘምፀናዮ ዕጥቂ ፍታሕ ብዝብል ቀጢን ትእዛዝ መራሕትና ዕጥቅና ንፈትሕ ኣለና።

IV. መወፃፅኦ/መፍትሒ

ቐፃሊ ኣንፈት ቓልስና ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለን በቢምዕራፉ ካዓ ነቲ መድረኽ ዝምጥኑ ዝተፈላለዩ ስትራተጂታት ዝተኸትለን ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ብቐንዱ እቲ ቀፃሊ ኣንፈት ቓልስና ኣብ ክልተ ምዕራፋት ኸፊልካ ምርኣይ ይከኣል። እቲ ና ይመጀመርታ ምዕራፍ ሐዚ ኣብዙ እዋን እዚ ማለት ‘ውን እቲ ውዕሊ ሰላም ኣብ መስርሕ እናሃለወ ዝህልወና ናይ ቓልሲ ምዕራፍ ክኸውን ከሎ እቲ ካልአዋይ ምዕራፍ ድማ ምናልባት እዚ ውዕሊ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ንትግራይ ብዘሕቅቕ መንገዲ ተፈፃምነት ረኺቡ እንተተወዲኡ ክህልወና ዝግባእ ናይ ቓልሲ ኣንፈት እዩ ክኸውን። ብኸምዚ Plan Aን Plan Bን ሃልዩና ንኽልቲኡ ጎኒንጎኒ ክንዳለወሉ ካዓ ኣለና።

ምዕፍ ሓደ

ሐዚ፣ ውዕሊ ሰላም ኣብ መስርሕ እንከሎ ክንኽተሎም ዘለና ስትራትጂታት ቓልሲ

  1. ኣተሓሕዛ ውዕሊ ሰላም

እዚ ውዕሊ ሰላም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብልዑል ጥንቃቐ ክትሓዝ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ሓደ ሽሙ ናይ ሰላም ውዕሊ ስለዝኾነን ናይ ሰላም ውዕሊ ምፅባእ ድማ ዓብዪ ዲፕሎማስያዊ ማህሰይቲ ስለዘለዎ። ካልኣይ ካዓ እዚ ውዕሊ ናይ ሓያላን ዓለም ረብሓታትን ኢድን ዝተሓወሶ ስለዝኾነ ብብልሕን ጉርሕን እንተይዘይኾይኑ ብሃበተረኸበ ምስርጣይ ሳዕቤን ሰለዘለዎ።

እዚ ውዕሊ ብጥቕልሉ ምንፃግ ወይ ‘ውን ብጥቕልሉ ምቕባል ብኣና ብተጋሩ ወገን ልክዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብትግራይ ወገን ነቲ ውዕሊ ዝፈረመ ሓደ ውድብ ‘ምበር መንግስቲ ስለዘይኮነ ብሕግን ሞራልን ንተጋሩን ትግራይን ዝውክል ውዕሊ ኣይኮነን። ንዘይተወከልካሉን ዘይምልከተካን ውዕሊ ካዓ ክትነፅግ ወይ ‘ውን ክትቕበል ኣይትኽእልን። እዚ ማለት ግን ኣብቲ ውዕሊ ብትሕዝቶ ደረጃ ንዓና ዝምልከቱ ጉዳያት እንተልዮም ነቶም ንዓና ዝምልከቱ ትሕዝቶታት ብንፅል ሓሳብ ክንህበሎም ከምኡ ‘ውን ክንቕበሎምን ክንነፅጎምን ኣይንኽእልን ማለት ኣይኮነን። እኳድኣስ ከምኡ ኢና ክንገብር ዘለና። ስለዚ ምስዚ ውዕሊ ሰላም ተተሓሒዙ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ቓልስና ‘ዞም ዝስዕቡ እንተገብረና ዝምረፅ እዩ።

  • ኣብ ዘረባታትና፣ ፅሑፋትናን ኹሎም ርክባትናን እቲ ዂናት ብሰላም ንክፍታሕ ዘለና ድሌት ምግላፅ።
  • ነዚ ውዕሊ ሰላም ብጥቕልሉ ካብ ምቕባልን ምንፃግን ምቑጣብ፣ ብፍላይ ካዓ ኣብ ወግዓዊ መግለፅታትን ርክባትን።
  • ኣብ ትሕዝቶ እቲ ውዕሊ ግና እቶም ንትግራይ ዝምለክቱን ‘ሞ ካዓ ዝተዛብዑን ትሕዝቶታት ልክዕ ከምዘይኾኑን ዘላቒ ሰላም ከምዘይምፅኡን ብገፊሑ ምቅላሕ።
  • ትሕዝቶኣዊ ፀገማት እቲ ውዕሊ ክንነቅፍ ከለና ዝበለፀ ተሰማዕነት ክህልዎም ምእንቲ ምስ’ቲ ዕላማ ናይቲ ውዕሊ (intended purpose) እናተሓሓዝና ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊ ትትግራይ ክንቃወም ከለና ፍትሓዊ ስለዘይኾነ ወይ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ብዘይተኸላኻሊ ስለዘትርፍ ዘይኮነ ክንብል ዘለና ዘላቒ ሰላም ስለዘይምፅእ ኢና ኽንብል ዘለና፣ ምኽንያቱ ዕላማ እቲ ውዕሊ ኾነ ዕላማ እቶም መላዘብቲ ሰላም ምፍጣር ‘ምበር ፍትሓውነት ምርግጋፅ ወይ ‘ውን ንህዝቢ ትግራይ ምክልኻል ስለዘይኮነ።

ምስዚ ውዕሊ ተተሓሒዙ ኣብ ውሽጥና ክንገብሮ ዘለና ነገራት ድማ ኣለዉ። እዚ ውዕሊ ሰላም ፈተና ፀላእና ኣብ ኣንፈትን ዓይነትን ቓልስና ዓብይ ፅልዋ ዘለዎ፥ ጎሳሲናዮ ክንሓልፍ ዘይንኽእል ነገር እዩ። ዘይቐርየካያ ጋሻስ ኣጥቢቕካ ስዓሞ ስለዝኾነ ካዓ ነቲ ውዕሊ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣንፈት ቓልሲ ኢና ክንሕንፅፅ ዘለና። ስለዚ ንኹሎም ሓደጋታታት እቲ ውዕሊ እናተኸላኸላና ይኹን ክዕረ እናፀዓርና፥ እቲ ውዕሊ ክህበና ዝኽእል ፀጋ እንተሎ ኻዓ ብዘይንሕስያ መዝሚዝና ክንጥቀመሉ ኣለና።

ሓደ እዚ ውዕሊ ዝህበና ዕድል ካዓ ኣሎ። ንሱ ድማ እዚ ውዕሊ ዝፈጥሮ ግዝያዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ተጠቒምና ነቲ ቐንዲ ምኽንያት ውድቀትና ዝኾነ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሕመቕና እንሕክመሉን እነመዓራርየሉን ዕድል እዩ። ፖለቲካና ናይ ሱርበተኽ ለውጢ ከመዘምፅእ ጌርና እንድሕር እቶም ኣብላዕሊ ዝተጠቐሱ መሰረታዊ ሕመቓት ፖለቲካዊ መሪሕነትና ክነዕሪ ዘይኽኢልና ጠቕሊልና ምጥፋእና ዘይተርፍ እዩ፥ ተሓተቱ ካዓ ባዕትና ኢና ክንኸውን። ቕድሚ ሐዚ ብዙሕ ናይ ምትዕርራይ ዕድላት ኣምሊጦምና እዮም፥ እዛ ዕድል እዚኣ ግን ናይ መወዳእታ እያ ክትኸውን። በዚ መሰረት ድማ ንኹልና ተጋሩ ዝውክል፥ ሰብ ዓቕሚ ዘኽተተ፥ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምውሓስ ሓላፍነት ዝወስድ ሓዱሽ መንግስቲ ክነጣይሽ ኣለና። በዚ መንግስቲ እናተመራሕና ድማ ኣብ ምእካብን ምዕባይን ዓቕሚ፥ ኣብ ምድላው ሓበራዊ ፍኖተ ካርታን ምቕያስ ሓዱሽ ዲፕሎማስያዊ ኣንፈትን ንነጥፍ። ከምዚ ስራሕትና ተሓጋጋዝን ተናባብን ብምግባር ድማ ኣድማዒ ስራሕ ንሰርሕ፥ ህዝብና ነድሕን።

2. ምስረታ መንግስቲ

ኣብ ትግራይ ሓዱሽ መንግስቲ ምምስራት ዘድልየሉ ኽልተ ምኽንያታት ኣለዉ። ሓደ ኣብ ላዕሊ ከምዝተገለፀ በቲ ሐዚ ዘሎ ፖለቲካዊ መርሕነት ቓልሲ ትግራይ ምዕዋት ፈፂሙ ስለዘይክኣል ክኸውን ከሎ፥ ካልኣይ ካዓ ብሕጊ ደረጃ ሐዚ ኣብ ትግራይ መንግስቲ ስለዘየለ። ስለዚ ሐዚ ናይ መጀመርታ ስራሕና ክኸውን ዘለዎ ኣብ ትግራይ ንኹሉ ዝሓቖፈ ብቑዕ መንግስቲ ምምስራት ‘ዩ። ምምስራት ሓዱሽ ብቑዕን ሓቛፍን መንግስቲ ነቲ ቐንዲ ምኽንያት ውድቐትና ዝበልናዮ ሕመቕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝፈትሕ ስለዝኾነ ኣማራፂ ዘይብሉ ክስገር ዘይኽእል ስጉምቲ እዩ። እዚ ንምግባር ዘድሊ ግዜን ኹናታትን ድማ እቲ ውዕሊ ሰላም ብውሱን መልክዑ ፈጢሩልና ኣሎ። ኣብቲ ውዕሊ ሰፊሩ ከምዘሎ ግና እዚ ዕድል እዚ ብብልፅግናን ህወሓትን ከይጭወ ምጥንቃቕ የድሊ። ብሽም ምምስራት ናይ ስግግር መንግስቲ ብልፅግናን ህወሓትን ዝዓብለልዎ መንግስቲ እንተተመስሪቱ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፈአ ኢና ክንኸይድ። ስለዚ፣ ነዚ ብንቕሓት እናተኸታተልና ኣብ ትግራይ ዘለዋ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ናይ ተጋሩ ውዳበታት፣ ከምኡ ‘ውን ምሁራትን ሰብልምድን ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ብምምኽኻር መስርሕ ምምስራት ሓዱሽ መንግስቲ ካብዛ ስዓት እዚኣ ክጅምርዎ ይግባእ። ብልፅግና መፅዩ እስካብ ዝጅምሮ እዚ መስርሕ ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲ ዘይምጅማርና ኽንደየናይ ደንዚዝና ከምዘልና መርኣያ እዩ። እዚ ብቕልጡፍ ክጅመር ኣልዎ። ደሓር ብቑዕን ሓቛፍን መንግስቲ ምስመስረትና ብመሪሕነት እቲ መንግስቲ ኣብ ምእካብ ኹሉ ዓቕምታት ትግራይ፣ ምድላው ሓበራዊ ፍኖተ ካርታን ምቕያስ ሓዱሽ ዲፕሎማስያዊ ኣንፈትን ንነጥፍ ማለት እዩ።

3. ምእካብን ምዕባይን ዓቕሚ

እቲ ገጢሙና ዘሎ ፀገም ዝጠልቦ ዓቕሚ ምእካብ ናይ ግድን እዩ። ተጋሩ ብቑፅርና ኣዚና ውሑዳት ኢና። ኣብ ልዕሊ ‘ዚ ዓቕምታትና እናንጠብጠብና እንተኸይድና ክንዕወት ኣይንኽእልን። ቑፅርና ክነባዝሖ እንኽእል ብውዳበና ኣቢልና ኢና። ክንዕወት እንተድኣኾይንና ኹሉ ዓቕምታት ትግራይ ተኣኪቡ ኣብ መስርሕ ውዳበታት ኣትዩ ክሰርሕ ክንገብር ኣለና። ዓቕሚ ምዕባይ ክበሃል ከሎ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ብምእካብ እቲ መሪሕነት ዓቕሙ ክብ ክብል ምግባር ማለት ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ብዝዘለለ ናይ ስራሕ ተመላላእነትን ውህደትን ብዝፈጥር ቕርፅን ኣወዳድባን ኹሉ ትግራዋይ ናይ ባዕሉ ዕማማም ተዋሂብዎ ዕማሙ ዝዓመሉ መስርሕ (ኣወዳድባ) ምድላው ይሓትት። ኣብ መስርሕ ከይኣተወ ዝባኽን ዋላ ሓደ ናይ ትግራዋይ ዓቕሚ ክህሉ የብሉን።

 እዚ ዝተኣከበ ዓቕምታትና ድማ ተመላላእን ተሓጋጋዝን (Complementary and synergistic) ክኸውን ምእንቲ ኹሉ ዝተረዳደአሉ ሓበራዊ ፍኖተ ካርታ (Road map) የድለየና።

4. ምድው ሓበራዊ ፍኖተ ካርታ

ኣብ ዝሓለፉ ናይ ቓልሲ ዓመታት ካብ ዝነበሩ ዓበይቲ ሽግራት እቲ ሓደ ኹልና ተጋሩ እንረዳድአሉ ሓበራዊ ፍኖተ ካርታ ዘይምንባሩ እዩ። ናበይ ንኸይድ ከምዝነበርና ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ፖሊሲታት ነበር መንግስትና ‘ውን እቲ ሕቡእ ኢ/ያዊ ዕላምኦም ከምዘሎ ኾይኑ እዚ ዝበሃል ዝሓንፀፅዎ ስትራተጂ ኣይነበረን። እኳድኣስ ግብረመልሳዊ ስትራተጂታት ማለት ‘ውን ናይ ፀላእቲ ኣካይዳታትን ተግባራትን እናተኸተልካ ናይ መልሲ ኣካይዳታት ምሕንፃፅ እዮም ዝኽተሉ ኔሮም። እዚ ኣብ ውድቀት እቲ ቓልሲ ዝነበሮ ኣስተዋፅኦ ቀሊል ኣይነበረን። እቲ ፍኖተ ካርታ ዘይምህላው ኽልተ ሽግራት እዩ ፈጢሩ። ሓደ ስእነት ስትራተጂ ዘስዕቦ ቀጥታዊ ማህሰይቲ ቓልሲ ክኽወን ከሎ ካልኣይ ካዓ ሓበራዊ ፍኖተ ካርታ ብዘይምንባሩ ዝተፈላለዩ ዓቕምታት ትግራይ ተናቢቦምን ተወሃሂዶምን ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሑ ዘይምኻሎም እዩ። እትኸደሉ ኣንፈትን ዕላማኻን ንፁርን ኹሉ ዝተረዳድአሉን እንትኾይኑ ኹሉ በብዘለዎ ዝሰርሖ ስራሕ ተሓጋጋዝን ተማላላእን እዩ ዝኸውን። እዚ ኻዓ ተደሚሩ ተደማሚሩ ውፅኢት የምፅእ ማለት እዩ። ብኣንፃሩ እትኸደሉ ኣንፈትን ዕላማኻን ኹሉ ዘይፈልጦ ወይ ‘ውን ዘይተረዳደአሉን እንተኾይኑ ኹሉ በቢዝመሰሎ ዝሰርሖ ስራሕ እንተፀቢቑ ዘይተሓጋገዝን ዘይማላላእን እንተሓሚቑ ድማ ባዕሉ ንባዕሉ ዝጠፋፋእ እዩ ዝኸውን። ኣብዝሓለፉ 2 ዓመታት ዝነበረ ናይ ዲፕሎማሲ ቓልስና እንተርኢና፣ ዘይናበብ ሓሓሊፉ ድማ ባዕሉ ንባዕሉ ዝጣፋእ እዩ ኔሩ። ንኣብነት ነበር መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያውነትን ረብሓታት ኢ/ያን መሰረት ዝገበረ ዲፕሎማሲ ክገብር ከሎ ተናሓናሕቲ ውድባትን ብሄራውያን ሙሁራት መናእሰያትን ድማ ትግራይን ረብሓታት ትግራይን ጥራይ መሰረት ዝገበረ ዲፕሎማሲ ይሰርሑ ኔሮም። ከምእንፈልጦ ረብሓታት ትግራይን ኢ/ያን ብዙሕ ግዜ ተፃራሪ ስለዝኾነ ድማ ኣብዚኦም መሰረት ጌርካ እትገብሮ ዲፕሎማሲ ኽጋጮ ግድን እዩ። እዚ ተጋራጫዊ ዲፕሎማሲ ድማ ዲምፕሎማስያዊ ስራሕትና ባዕሉ ንባዕሉ ብምጥፋእ ክወድቕ ጌርዎ እዩ።  ስለዚ፣ ሐዚ ጎና ጎኒ ምምስራት መንግስቲ ብናይ ኽትዓትን ልዝባትን መድረኻት ኣቢልና ፍኖተ ካርታ እናዳለውና ክንፀንሕ ኣለና። መንግስቲ ምስተመስረተ እቲ ሓዱሽ መንግስቲ መሪሑን ኣተሓባቢሩን ፍኖተ ካርታ የፅድቕ፣ ይመርሕ።

5. ምቕያስ ሓዱሽ ዲፕሎማስያዊ ኣንፈት

ዲፕሎማሲና መሰራታዊ ሱር በተኽ ለውጢ ከምፅእ ኣለዎ። እዚ ማለት እቶም መሰረታዊ ኣምራት (Principles) ናይ ዲፕሎማሲና ክቕየሩ ኣለዎም። ሐዚ ዘሎ ዲፕሎማሲና ንፁር ኣንፈት ዘይብሉ፥ ገሊኡ ኣብ ኢ/ያውነት ገሊኡ ድማ ኣብ ትግራዋይነት ዝተመስረተ፥ ከምኡ ‘ውን ኣብክንድ ኣብ ረብሓ ዝስረት ኣብ ፖለቲካዊ ስነሓሳባትን ውልቃዊ ኣረኣእያታትን ዝተሰረት እዩ። እዚ ዝቕየረሉ ኣምራት ምዳላው ኣካል ናይ ፍኖተ ካርታ ስራሕ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ሰብ ዓቕሚ እታወት ዝሓትት ስለዝኾነ ከም መበገሲ ጥራይ ገለ ንጥብታት ክንገልፅ።

  • ዲፕሎማሲና ብስትራተጂ ደረጃ ኣብ ትግራይን ረብሓታት ትግራይን ጥራይ መሰረት ዝገበረ ክኽውን ኣለዎ። ብታክቲካል ደረጃ ክልጠጥን ክፀብብን የብሉን ማለት ግን ኣይኮነነ።
  • ዲፕሎማሲና ኣብ ረብሓ ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ። ምስዝኾነ ኣካል ስጡምን ዘላቕን ምሕዝነት ክትፈጥር እትኽእል እቲ ርክብ ኣብ ረብሕኡን ረብሓኻን ዝተመስረተ እንተኾይኑ እዩ።
  • እቲ ዲፕሎማሲና ኣብ ርሑቕ ጥራይ ዘይኮሰ ኾላይ ኣብ ጎረቤት ከምኡ ‘ውን ዞባዊ ሓይልታት ከትኩር ኣለዎ።

ዲፕሎማሲና ኣብ ረብሓታት ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ ካብ በልና፥ ምስ ምዕራባውያን ኣብ እንገብሮ ዲፕሎማስያዊ ስራሕቲ እቶም ሓይልታት ኣብቲ ኸባቢና ዘለዎም ረብሓታት ምፍላጥ የድልየና ‘ሎ ማለት እዩ። ናብ ብዙሕ ትንተና ከይኣተና ረብሓታት ምዕራባውያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ከምዝስዕብ ኣብ diagram ምጥቕላል ይከኣል።

ረብሓታት ምዕራባውያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ

ምዕራፍ ኽልተ

እዚ ውዕሊ ሰላም ኣብ መስርሕ ከሎ ክንገብሮም ዘለና ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ነገራት ከይገበርና ተሪፍና ወይ ጌርና ግን ውፅኢት እንተዘይኣምፂኡ ኸ እንታይ ኢና ኽንገብር ዝብል ‘ውን ካብ ሐዚኡ ክንሓስበሉን ክንዳለወሉን ኣለና። ንትግራይ ከጋጥማ ዝኽእል እቲ ኣዝዩ ዝሓመቐ ኹነታት (worst case scenario) ድማ እንታይ ምዃኑ ኣሚትና ክንዳለወሉ ኣለና። እቲ ከጋጥም ዝኽእል worst case scenario ትግራይ ከም ትግራይ ዝተቖራረሱ ግዝኣታታ ከይተመልሱ ተሪፎም እቲ ኣብታ ዝተረፈት መሬት ትግራይ ዘሎ ህዝብና ‘ውን ብስደት ፋሕ ፋሕ ክብል፥ ነቲ ካብ ስደት ዝተርፍ ውሑድ ህዝቢ ድማ ብዙሕ ሰራዊት ኢ/ያ ኣቐሚጥካ ተሓናፊፁ ከምዝተርፍ  ጌርካ ህዝቢ ትግራይ ኣብ 20 -30 ዓመታት ጠቕሊሉ ዝጠፍአሉ ኹነታት ምፍጣር እያ እታ ክትግመት ትኽእል ዝሓመቐት ኹነታት (worst case scenario). እዚ ብግምት ጥራይ እንብሎ ዘለና ነገር ኣይኮነነ። ልሂቃት ህግደፍ መንግስቶም ነዚ ኽገብር ከምዘለዎ ብግልፂ ዝፀሓፍሉን ዝተዛረብሉን ጉዳይ እዩ። እዚ ውዕሊ ሰላም ድማ ገና ኣብ መስርሕ ከሎ ተመዓራሪና እንተዘይተቓልሲና ነዚ worst case scenario ንክመፅእ ዝተመቸወን ብስሩ ‘ውን ንዕኡ ዕላማ ዝተሃንደሰን እዩ። እሞ ውዕሊ ሰላም ነዚ ዝሓመቐ ኹነታት እንተፈጢሩ እንታይ ክንገብር ንኽእል? ከመይ ዓይነት ናይ ቓልሲ ስትራተጂ እንተተኸተልና ካብቱ ኹነታት ንሱ ክንወፅእ ንኽእል?

  1. ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ጠቕሊልካ ምእላይ

እቲ ውዕሊ ከምዘለዎ እንተተተግቢሩ፥ ዕጥቅና እንተፈቲሕና፥ ፀላእቲ ኻዓ መንገዲ ሰላሕታዊ ፅንተት ትግራይ እንተተኸቲሎም ከም ተጋሩ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ እንገብሮ ተሳትፎ ይኹን ኣውያት ድሕሪ ምውዳቕካ ምንፍርጫዕ ንምልሕሓፅ ጥራይ ከምዝበሃል እዩ ክኸውን። ናይ ፀላእትና ቐልቢ ደደጊምና እናሰሓብና “ኣለና ‘ኮ ኢና ኣይጠፋእናን” እናበልና መመሊሶም ክቕጥቅጡና ምፅዋዕ እዩ ክኸውን። ስለዚ ኣብቱ መድረኽ ንሱ እንተበፂሕና፣ ካብ ፖለቲካ ኢ/ያ ጠቕሊልና ምውፃእ እዩ ዝሓሸ ዝኸውን። ከምኡ ምግባር ግን ካልእ ረብሓ ‘ውን ኣለዎ። ምናልባት ኢ/ያ እቲ ናይ ብሓቂ ፀገማ ፊትንፊት ክትገጥሞ እትግደደሉ ዕድል ክፈጥር ይኽእል ይኸውን። ከመይ እንተኢልና፥ ሓደ ብዛዕባ ኢ/ያ ክንርድኦ ዘለና ሓቂ ኣሎ። ንሱ ድማ ተጋሩን ትግራይን ከም ፖለቲካዊ ኣካል ካብ ኢትዮጵያ ምስእንጠፍእ፥ ናይ ኢትዮጵያ ዓሞቕቲ ፀገማት ዓይኖም እፍጢጦም ክመፁ እዮም። ኣብ ሞንጎ ብሄራት ኢ/ያ ብፍላይ ካዓ ኣብ ሞንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ፀገም ዝፍታሕ ፀገም ኣይኮነን። ኹልግዜ ብኻልኦት ነገራት ተሸፋፊኑ እዩ ዝነብር። ሓደ መዓልቲ እዞም ሸፋፈንቲ ነገራት ኣብዝጠፍእሉ ግዜ ክፍንጀር እዩ። ኹልግዜ እዞም ዓሞቕቲ ፀገማት ንቕድሚት መፅዮም ከይፍንጀሩ ዕንቅፋት እትኸውን ትግራይ እያ። ትግራይ ወይ ኣታዓራቒት (ኣብነት ዝሓለፈ 27 ዓመታት) ወይ ‘ውን መሕበሪት (ኣብነት ዝሓለፈ 2 ዓመታት) ኢትዮጵያውያን ብምዃን ነዚ ሽግር ኢ/ያ ከይፍንጀር ሒዛቶ ፀኒሓ እያ። ስለዚ፣ ትግራይን ተጋሩን ካብ ፖለቲካ ኢ/ያ ርሒቕና ሱቕ እንተይልና ኣብ ሞንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ፀገም ፈጢጡ ክመፅእ እዩ። ሓይልታት ኣምሓራ ትግራይ ኣጥፊእና ኢሎም ምስዝሓስቡ፥ ወልቃይትን ራያን ወሲድና ኢሎም ምስዝሓስቡ፥ ኣዲስ ኣበባ፣ ወለጋን መተከልን፣ እንኮላይ ቐይሕ ባሕሪ ክደልዩ እዮም። ኦሮሞ ብወገኖም ኣዲስኣባባ ኣሕሊፎም ክህቡ ኣይኮኑን። ኢ/ያ ነዚ ፀገም እዚ ክትፈትሒ ኣይትኽእልን። ኣብዚ መድረኽ ናይ ተጋሩ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ነዚ ሃዋህው ናይ ምትዕንቓፍ ተራ እዩ ክህልዎ ዝኽእል። ስለዚ ሱቕ ኢልካ ኢ/ያ ተፈጥሮኣዊ ጉዕዞኣ ክትቐፅል ዕድል ምሃብ እቲ ዝሓሸ እዩ ዝኸውን።

2. ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ምሉእ ፃዕርን ወፍርን ምግባር

ፈተና ፀላእና ጉዳይ ትግራይ ከምዘይፍታሕ ኾይኑ ምስ ጉዳይ ኤርትራ ዝተኣሳሰረ እዩ። እቲ ኽፉእ፣ እቲ ፅቡቕ፣ እቲ ሕስረት፣ እቲ ክብረት ናይ ትግራይ ኩሉ ብኣሉታ ይኹን ብኣዎንታ ምስ ፖለቲካ ኤርትራ ዝተተሓሓዘ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝደለየ ኣረኣእያ ይሃልወና ብዘየገድስ ነዚ ሓቂ ሰጊርካ ዝመጽእ ዘላቒ ፍታሕ ግን የለን። ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ኢሳያስ ዝመፅእ መንግስቲ እንታይ ከምስል እዩ ዝብል ጉዳይ ማዕረ ማዕረ ኤርትራውያን ንዓና ‘ውን የገድሰና። ከይፀዓርካ ዝርከብ ነገር ስለዘየለ ካዓ ኣ ብኤርትራ ንዓና ዘርብሕ ስርዓተ መንግስትነት ክመፅእ ርሃፅናን ግዜናን ክንስውአሉ ኣለና። ምስዚ ተተሓሒዙ ኻዓ ፖለቲካ ብዛዕባ ረብሓን መፃእን ‘ምበር ብዛዕባ ቂምን ሕነ ምፍዳይን ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ፣ ጉዳይ ፍትሒ ከምዘሎ ኾይኑ። ስለዚ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኤርትራ ከምጉዳይና ርኢና ብዘይስኽፍታን ድሕርሕርን ብዝተወደበን ዘይተወደበን መልክዓቱ ክንሰርሐሉን ክንዋፈረሉን ኣለና። ኣብዚ ጉዳይ፣ ግደ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይን ዘይፖለቲካዊ ማሕበራትን ልዑል እዩ። ተፈጥሮ ፖለቲካ ኢ/ያ እንተሰሪሕናሉ ዝጎድኣና ክኸውን ከሎ ተፈጥሮ ፖለቲካ ኤርትራ ግና እንተሰሪሕናሉ ዝጠቕመና እዩ።

ካልእ ክንሕዞ ዘለና፣ ኣብቱ መድረኽ ንሱ እንተበፂሕና ትግራይ ክንድድሌታ ትድከም ዋላ ከም ግዝኣት ካብ ካርታ ትጥፋእ፥ ትግራዋይነት ግን ኣብ ዝኸደ ኸይዱ ክዕምብብን ኹሉ ትግራዋይ ሓደ መዓልቲ መረበቱ ተመሊሱ፥ ግዝኣታቱ ኣምሊሱ ሃገር ከምዝውንን ክኣምን ምስራሕ ጥራሕ እዩ ከዋፅእ። ኣብ ትግራዋይነት Invest ምግባር። ትግዋይነት እንተጠፊኡ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ትግራይ የለን፥ ትግራዋይነት እንተሎ ግን ትግራይ ዋላ እንተጠፈአት መሊስና ክንረኽባ ኢና። ኣይሁዳውያን ነዚ ምስክር እዮም።

ግደ ድያስፖራ ተጋሩ

ግደ ድያስፖራ ተጋሩ ኣብ ቓልሲ ኣንፃር ፅንተት ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ እናዘከሮ ዝነብር ዘሕብን ታሪኽ እዮም ሰሪሖም። ግደ ድያስፖራ ግን ልዕሊ ዝኾነ ግዜ ዘድልየሉ ኣብቲ ሐዚ እንኣትዎ ዘለና ናይ ቓልሲ ምዕራፍ እዩ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓይልና ኢዱ ኣብ ዝህበሉ ግዜ እቲ እንኮ ስለ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብነፃነት ክቃለስ ዝኽእል ኣብ ድያስፖራ ዘሎ ሓይልና እዩ። ትግራይ ናይ ምድሓን ሓላፍነት ሐዚ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ድያስፖራ እዩ ዝወድቕ ዘሎ። ድያስፖራ እዚ ተራ ክፃወት እንተኾይኑ ግን ኢዶም ካብ ዝሃቡ ፖለቲከኛታትን ፖለቲክኦምን ነፃ ወፅዩ ብናይ ባዕሉ ኣወዳድባ ክቃልሰ እንተኽኢሉ እዩ። ድያስፖራ ልክዕ ከምቲ ኣንፃር ፀላእቲ ዝገበሮ ቓልሲ ወሽጣዊ ሕመቓት ፖለቲካና ንምስትኽኻል ‘ውን ፃዕሪ እንተዝገብር ምናልባት ‘ውን ከምዚ ኣይምወደቕናን። ካብዚ ተማሂርና መጀመርታ ወሽጣዊ ሕመቓት ፖለቲካና ንምዕራይ ድያስፖራ ክረባረብ ኣለዎ። ልዕል ኢልና ኣብ ኽልተ ምዕራፍ ኸፊልና ዘቕረብናዮም መወፃፅኦታት ብቐንዱ እቲ ድያስፖራ እዩ ክጅመሮምን ክዓሞምን ዘለዎ። መራሕቲ ከም ፈጣሪ ምእማን ይትረፍ ፥ ካብ ውድቀትና ንመሃር።

ተዛዚሙ።

ዶ/ር ገብረሚካኤል ገብረመስቀል ዘርኣፅዮን

[email protected]

Editor’s note: The views and content of the article reflects that of the author of the article. Not necessarily of UMD Media’s.

UMD Media

View all posts