ህወሓት ኣብ መሰረታውን መትከላውን ጌጋታቱ ይቕፅል ኣሎ!

ሰነድ “ኣሰላልፋ ዓለምናን ወያነናን!”

ባጋጣሚ ኾይኑ “ኣሰላልፋ ዓለምናን ወያነናን!” ዝብል ሰነድ ኣብ 2013ዓ/ም ከባቢ ነቱ ወፍርታት ሰነ 21 ቅድሚ ምክያዱ ዘካየድዎ ምይይጥ ይመስለኒ ብዓል 34 ገፅ ኣብ ኢደይ ኣትዩ ኣንቢበዮ፡፡ ብሓፈሽኡ ኣፍቲ ሰነድ ክድህስሶም ዝሞከሮም ነጥብታት ኣለዉ፡፡ ካብቶም ዝተልዓሉ ነጥብታት ጌጋ ኮይኖም ዝረኸብኩዎምን ፀገማትና ተባሂሎም ግን ድማ ዘይተስተኻኸሉን ብቑንጣር ክድህስሶም ክፍትን’የ፡፡

“ኣሰላልፋ ሓይልታት ዓለም ንቓልስና ኩሉ ግዜ ብኣሉታ ይኹን ብኣወንታ እንዳፀለወ መፂኡ እዩ፡፡ ናይ ቅድሚት ይኹን ናይ ሎሚ ጉዕዞና እውን ካብዙ ሚዛን እዚ ወፃኢ ኣይኸውንን” ክብል ኣብ (ገፅ-1) ይገልፅ፡፡ እዚ ብኣቀማምጣ ደረጃ ኣሰላልፋ ሓይልታት ዓለም፡ ንቓልሲ ሓደ ፖሊቲካዊ ውድብ፡ ብኣወንታ ይኹን ብኣሉታ ከም ዝፀልዎ፣ እቱ ፅልዋ ድማ ኣብ ሕሉፍ፣ ህልው ኩነታት ይኹን ኣብ ዝመፅእ እዋን ከም ዝህሉ ዘጨቓጭቕ የብሉን፡፡ ብኣንፈት ደረጃ ነዚ ተቐቢሎም ኣብ ዝርዝር ኣመራርፃ ስትራቴጂካዊ መሻኽርኽትን ስትራቴጂካዊ ፀላእትን ዘሎ ሓጓፍን፤ ንሕና ክንገብሮም ኣለና ኣብ ዝብሉዎን ክህልዎ ዝኽእል መልሰ-ግብርን’ዩ፡፡

እዚ ዘሪአና ድማ ስትራቴጂካዊ ኣንፈትካ ግጉይ እንድሕር ኾይኑ፡ ካብኡ ዝምዘዝ ንኡስ ንጥፈታት፣ ታክቲካዊ ኣካይዳታት ነዚ ብመሰረታውነቱ፡ ብዘይጓነፅ መንገዲ ክኸውን ከም ዘለዎ ግልፂ እዩ፡፡ ነገር ግን እቶም ዝተሓረዩ ነጥብታት ዘለዎም ተዛማድነት፣ ቕድሚ ምትግባሮም ናብ ትግራይ ከምፅኡዎ ዝኽእሉ መዘዛት ኣድቂቕካ ምርኣይ ወሳኒ እዩ፡፡ ኣብ ኣቀማምጣ ስግኣት ድማ ስግኣት ተባሂሎም ዝተጠቐሱ ኣካላት፡ ዝተቐመጡሉ ኣቀራርባ፡ ዲፕሎማሲያዊ መልክዕ ዘይምሓዙ እዩ፡፡ ከምዚ ዝበሉ ስትራቴጂካዊ ሓጓፋት ድማ ኣብ ደንበ ህወሓት ልሙድ ምንባሩ ብግደይ ዘርኣፅዮን መፅሓፍ “ዝኽርታት ቓልሰይ” ዝብል ንርአ፡፡

ህወሓት ንኢህወዴግ መስሪቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ እንተሎ፡ ካብ 1981 ጀሚሩ የቕርቦም ኣብ ዝነበሩ ሸፈጣት ቕድሚ 1979ዓ/ም ንኢንጅነር ግደይ ዘርኣፅዮን ተንቀሳቓሲ እሱር ገይሮም ’ናብ ማእኸላይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ወፍሪ ነቱ ውድብ እንተት መርሖ ብኸመይ ምእታው ይክኣል?’ ኢሎም ከም ዝሓተቱዎን፤ ንሱ ድማ ’ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ብሄራት ስሙር ግንባር ምፍጣር’ ዝብል ስፍሕ ዝበለ ፅሑፍ ከም ዝሃቦምን፡ ብግልፂ የትግል ትዝታዎቼ 2010ዓ/ም ኣብ ዝብል መፅሓፉ ኣስፊሩዎ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብቲ እዋን ኣሉታዊ መልሲ ዘይሃቡሉ ኩሉ ከም ሓቂ ዝውሰድ ኮይኑ፡ ኢህወዴግ ንምምስራትን ናይ ህወሓት ህንፃን ፕሮግራምን ዝብል ንምምይያጥን መበገሲ ኮይኑዎም’ዩ፡፡ እዙ ዓንቀፅ እዚ ግን ኣብቲ ብዓል 34 ገፅ ዝተሓቖፈ ኣይኮነን ናይ ባዕለይ መእተዊ እዩ፡፡

ኣብቲ ብዓል 34 ገፅ ዝርከብ ፅሑፍ ካብ 1983-1993ዓ/ም ኣራኣያናን መንነትናን ሓቢእና ዝፀናሕናሉ ምኽንያት፣ ክፍፍል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን፣ ድሕሪ ክፍፍል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተመዝገበ ልምዓትን ኣብ ዝብል ዘሎ ተፋልሶ ንርአ፡፡ ኣብ ፅባሕ 1983ዓ/ም ህወሓት ዓለም ናብ ሓደ ደንበ ብምምፅኣ ደንበ ሶሻሊዝም ስለዝፈረሰ ሶሻሊስታዊ ስርዓት ክንተክል ኢና እንተይልና ደንበ ሃፀይነት ዝብሃል ዝነበረ ሊበራል ደንበ ከየሰኩነና ብዝብል ዘይኮነስ፤ ደርግ ሶሻሊስት እየ እናበለ ንህዝቢ ይጭፍጭፍ ስለዝነበረ ሶሻሊስት ኢና እንተይልናዮ እንታይ ድኣ ለውጢ ኣለዎ? ክብል’ዩ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይዓስለናን፡፡ ብስሩውን ከርሕቐና እዩ ዝብል ኮይኑ ሶሻሊስትነት ሕማቕ ከም ዘይኮነ ብተግባር ነምህሮ ዝብል እዩ ነይሩ፡፡

እዚ ኮይኑ እውን ብ1985ዓ/ም ሰራዊትን ካድረን ህወሓት ልዕሊ ወርሒ ኣብ ዝተመያየጠሉ ዝነበረ ኣጀንዳ “ዓለማዊ ፅዕንቶ ኣብ ምምካት ዝተገበረ ቓልሲ!” ዝብል እዩ ነይሩ፡፡ ምኽንያቱ ሶሻሊስት እንተዘይትኸውን እንታይ ዝብል ፅዕንቶ ኣሎ? ስለዚ በዚ መሰረት ክሳብ 1993 ሶሻሊስታዊ መንገዲ ተሰጉም ነይራ፡፡ ኣብ 1993 ዘጋጠመ ኣፈላላይ ድማ መለስ ሶሻሊስታዊ (ሕብረተሰብ መሰረት ዝገብር ህንፀት ኢኮኖሚ) ኮይኑ፡ ካልኦት ንሱ ከም ዘይተቐበሉ ተገይሩ ዝቐረበሉ መልክዕ ንረክብ፡፡ መለስ “ስርዓትና ርእሰ ማላዊ እዩ” ከም ዝበለ፡ መላእ ካድረ ዘጣቐዐሉ ዝነበረ ስነ-ሞጎታዊ ሓቂ እዩ፡፡ ዶ/ር ነጋሶ እውን “እንዲያውም ነጭ ካፒታሊስት ነን ኣለኝ፡፡ ካፒታሊስትና ሶሻሊስትነቱ ኣይደለም፡፡ ሰዎች ’ኮ መስዋእት ከፍለውበታል ክህደት ነው“ ይብሉ ነይሮም፡፡

እቱ ልምዓት ብዕፅፊ ክዓቢ ዝኽኣለ እውን ሶሻሊስታውነት ድሕሪ ምምስራት ኔቶ፣ ምምስራት ሻን ሃይ ኮኦፕሬሽንን ቻይና 200 ቢልዮን ዶላር ሒዛ ናብ ትካል ንግዲ ዓለም ምእታዋን ካብ ዝተሓበአሉ 1993 ምቹው ኩነታት ረኺቡ ስለዝተኾለዐ ዘይኮነ፤ እቱ ልምዓት ዝመፀ ሓደ ሃገራት “ኣብ ሚሊኔም ልምዓታዊ ሸቶታት 2015” ብዝሓዘኦ ትልሚ መሰረትን ናይ ምትሕግጋዝ ቃል-ኪዳንን ብዝተረኸበ ሓገዝ እንትኾን፡፡ እቱ ካሊእ ድማ ሃገራት ብውልቀን ይህበኦ ዝነበራ ልቓሕን ሓገዝን ዝመፀ ለውጢ እዩ፡፡

እቱ ካሊእ “…ቻይናን ሩሲያን ከም ኔቶ ኣብ ወታደራዊ፣ ቁጠባውን ፖሊቲካውን ስራሕቲ ዝነጥፍ ትካል ሻን ሃይ ኮኦፕሬሽን ብምጥያሸን….” ዝብል፡ ፍፁማዊ ጌጋ እዩ፡፡ ኔቶ ኣብ ወታደራዊ እምበር ኣብ ፖሊቲካውን ቁጠባውን ስራሕቲ ኣይርከብን፡፡ ዘጣየሸኦ ሃገራት ፖሊቲካዊ መስመረን እንትረአ እውን ሊበራሊስትን ሶሻሊስትን እየን፡፡ መኒኡ ፖሊቲካ እዩ ከሰጉም? ቻይናን ሩሲያን ሓቢረን ዘጣየሸኦ ትካል ሻን ሃይ ኮኦፕሬሽን ክንደይ ሓገዝን ልቓሕን ከ ሂቡና ለውጢ ኣምፂእና? ዝብሉ ሕቶታት መልሲ የብሎምን፡፡

ካሊእ “….ኣሜሪካ ብኸብድኻ ትሕዙ ክፉእቲ እያ…” ዝብል፤ ብኸብድኻ ዝሕዝ መንዩ? እዛ ኣባሃላ እዚኣ ባዕላ ንህዝቢ ብኸብዱ ጠምዩ ስርዓት ክድግፍን ዘይክድግፍን ዝገብር ከ ህወሓት ድዩ ኣሜሪካ እያ? ብዝበለፀ ንመን ይገልፅ? ኣሜሪካ ዋላ ኳ እግረ መንገዶም ዝስርሑ ብሽም ሰብኣዊ ሓገዝ ዝስጉሙ ዓለምለኸ ፖሊቲካን ስራሕቲ ስለያን እንተሃለወ ፕሮጀክት ጎልጎል ራያ ጠጠው ኣቢሉ ስርናይ ካናዳን ኣሜሪካን ክንፅበ ኢሉ እውን ንህወሓት ዘይድግፍ ሓገዝ ከይረክብ ዝገብር ህወሓት ዶ ኣይኮነን፡፡ ኣሜሪካ ትብትኖ ስርናይ ሊበራሊስት ይድግፉ ንዝበለቶም ህዝብታት ዲያ?

ብኻሊእ ወገን ዓለም ተመሊሳ ናብ ንሕንሕ ክልተ ደንበ ትኣቱ ኣላ፡፡ እቶም ደንበታት ድማ ኣሜሪካ፣ ምዕራብ ኣውሮፓን ማእኸላይ ምብራቕን ሓደ ደንበ፤ ቻይና፣ ፋርሳዊት ሃገር ኢራንን ሩሲያን ብኻሊእ ተሰሊፎም ኣለዉ፡፡ እቶም ናይ ማእኸላይ ምብራቕ ተለኣኣኽቲ ተባሂሎም እንትፍረጁ ማእኸል ንሕንሕ፡-

1ይ) መልክኣ ምድራዊ መርከቢ ወሰና ወሰን ባሕሪ /ጂኦፖሊቲካል/፣

2ይ) ዕዳጋ ዘይማዕበላ ሃገራት፣

3ይ) ተፈጥሮ ሃፍቲ ዘይማዕበላ ሃገራት፣

4ይ) ዶብ ተሳጋሪ መጓዓዝያ/ Silk Road/፣

5ይ) ጠለብ ንፁህ ዝስተ ማይ ዝፈጥሮ ጂኦፖሊቲካ ገዲፍካ፤

6ይ) ወሰና ወሰን ሃገራት ቻይና፣ ኢራንን ሩሲያን ዘለዋ ሃገራት ተገይረን ይዝርዘራ፡፡

ኣብዚ እውን ትግራይ ዝቐረበትሉ መርኣዪ ብጂኦፖሊቲካ እውን ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ የላን፡፡ ዓባይ ዕዳጋ እውን ኣይኮነትን፡፡ ተፈጥሮ ሃፍቲ እውን ብማዓድን ይኹን ነዳዲ ኣብ ዓይኒ ዓበይቲ ሃገራት ዝኣቱ የብላን፡፡ ቻይና እውን ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ንትግራይ ካብ ዝተቓወማ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ ንኢትዮጵያ ክትብል እምበር ትግራይ ከም መተሓላለፊ መሰመር መጓዓዝያ ትውሰድ ኣይኮነትን፡፡ ኣብ ወሰን ወይ ዶብ ሃገራት ቻይና፣ ኢራንን ሩሲያን እውን ትርከብ ኣይኮነትን፡፡ ኣብዚ ጌጋ ዝስራሕ ኩሉ ግዜ ግጉይ ንባብ ንባዓልኻን፤ ግጉይ ንባብ ንኻልኦትን ምህላው እዩ፡፡

ትግራይ ኣብዙ እዋን እዚ ብህወሓት ትኩሳት ሒዛ ትሕወሰ እምበር፡ በረከት ሒዛ ትቐርቦም ኣይኮነትን፡፡ ስለዚ ቻይናን ሩሲያን ከ ኢትዮጵያ ከይሓዘት ትቐርቦም ትግራይ ክንደይ ዝኣክል ክትማርኾም ትኽእል? ብታሪኻዊ ዳራ እንተርኢና እውን ኣኽሱማዊ ስልጣነ ምስ ፐርሺያን ናይ ኲናት እምበር እዚ ኢልካ ዝምዘዝ ርሁብ ርክብ የብለንን፡፡ ግዝኣት የመን ንምውሳድ ኣብ ዝተገበረ ውግእ ፐርሺያዊ ንጉስ ስዒሩ ዘግደፈና ምዃኑ ታሪኽ ይነግረና፡፡ ኣብ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ኢትዮ- ትግራይ እውን እንተኾነ፡ ድሮን ከም ዝሃበት ይግለፅ ነይሩ፡፡ ስለዚ ኣበይ እዩ ዘሎ እቱ ዲፕሎማሲ?

ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ሰራዊትና ናብ ኤርትራ ምስ ኣተወ ብሩሲያ ተዘይስረዝ ብኣሜሪካን እንግሊዝን ኣብ ልዕሊ መለስ ከይንቀስቐስ ማዕቐብ ምተገበረ፤ ብኔቶ ምተደብደብና፣ ሰራዊትና ቐልጢፉ ተዘይስሓብ ስርዓትናን ሃገርናን ኣብ ሓደጋ ምወደቑ፣ ይብል፡፡

ቐዳማይ ጌጋ ብእንግሊዝን ኣሜሪካን ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ዝቐረበ ሓሳብ ተዝፀድቕን ሰራዊትና ተዘይስሓብን ብኔቶ እንድብደበሉ ኣግባብ ግልፂ ኣይኮነን፡፡ ኔቶ ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ዘይኮነ ዝእዘዝ፡ በተን ዘጣየሸኦ ኣባል ሃገራት እዩ፡፡ ኔቶ ዝተጣየሸሉ ዕላማ ድማ ንወታደራዊ ትካልነት ኮይኑ ብዋናነት ኣሜሪካ መሻርኽታ ኣኪባ ካብ ሩሲያ ክመፃ ዝኽእል ሓደጋ ውግእ ብርሑቕ ንምትራፍ ዝተጣየሸ ወታደራዊ ተቋም’ዩ፡፡

ካሊእ ጌጋ ኣብ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ- ኤርትራ 3+ ነገራት ነፂሩ ነይሩ እዩ፡፡ ውግእ መን ጀሚሩ? ንዝብል ሕቶ መልሱ መንግስቲ ኤርትራ፡፡ ካልኣይ ካሕሳ ዝምልከት ተጎዳእቲ እቱ ከባቢ ክልቲኡ ህዝቢ፡፡ ሳልሳይ መሬት ኣየንኡ ንመን ይምልከት? ዝብሉ ነይሮም፡፡ ስለዚ መንግስቲ ኤርትራ ዝጀመሮ ውግእ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተዝውድኦ ከመይ ችግር ይኸውን? ካልኣይ ኣየንኣ ሃገርን ኣየንኡ ውድብን ከ ኢና ኣድሒንና? ሃገር ክንብላ እንተኾይንና ኢትዮጵያ እያ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ልምዓት እናሃለወት እውን ብዝተፈላለዩ ኣካላት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝምወሉ ትችገር ነይራ፡፡ ከይዳ ከይዳ ድማ ኣብቲ ሎሚ ትርከበሉ ብርኪ በፂሓ፡፡

ስለዚ ሽዑ ዕድመ ኢሳያስ ዘይምሕፃሩ ድሕንነት ሃገርና ኣውሒሱልና ኢልካ ዝእመን እንተኾይኑ፡ ንነገራት እነንብበሉ ኣንግል ዝንቡዕ ምዃኑ እዩ ዘሪአካ፡፡ ቀፂሉ እቱ ዝድሓነ ዝብሃል ውድብ ከ ኢህወዴግ ድዩ ህወሓት እዩ? ኢህወዴግ ሓመድ ድበ ኣትዩ፡፡ ህወሓት ክልተ ግዘ ተገሚዑ፡፡ ይሓዊ ዶ ጠቕሊሉ ይኸስም ሓቢርና ንሪኦን ታሪኽ ዝነግረናን ክኸውን’ዩ፡፡ ብሰንኪ ዝንቡዕ ውሳነ መለስ 1993 ማ/ኮሚቴ ኣብ ክልተ ተገሚዑ፡፡ ቀፂሉ ድሕሪ ጄኖሳይዳዊ ኲናት 2016 ማ/ኮሚቴ ህወሓት ንኽልተ ተገሚዑ፡፡ ስለዚ ኣበይ ኣሎ ናይ ሃገርን ውድብን ድሕነት? የግዳስ ብሰንኪ ውልቀ ክልሰ-ሓሳባዊ ንቕፅናን ክልተ ዜግነት መለስን ህዝብና ንሕሱም ፅንተት ተዳሪጉ፡፡

እቱ ኻሊእ ጌጋ “…ኣሜሪካ ከም ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ሎሚ ሃገር ኣይትወርርን፡፡ ምኽንያቱ ቻይናን ሩሲያን ጣልቃ ክኣትዋ እየን፡፡….” እዚ ከባቢኻ ብዝግባእ ከይተንተንካ ዓለምለኸ ፖሊቲካል ኢኮኖሚ ንምግምጋም ምፍታን ዝወለዶ ጌጋ እዩ፡፡ ቻይናን ሩሲያን ካብ ውራየን ወፃኢ ውራይ የብለንን፡፡ ኣሜሪካ ፀረ ጥቕመይ እዩ ንዝበለቶ ትማሊ ይኹን ሎሚ ካብ ውሳነ ዝእግዳ የለን፡፡ ቻይናን ሩሲያን እንተበዝሐ ኣፅዋር ውግእ ብልቓሕ ክህባኻ ይኽእላ እየን፡፡ ካብዚ ወፃኢ ዝድህሰስ ነገር የለን፡፡ ሃገር ኣይገብራኻ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣይድግፋኻ፡፡ ካብ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ኢትዮ-ትግራይ ንላዕሊ ዶ ኣሎ እዩ? ኣይ ኣብዙ እዋን እዚ እንዶ ኣንፃር ትግራይ ጠጠው ዝበላ?

ነባርን ቐዋምን ቋንቋ ህወሓት

ህወሓት ከም ፖሊቲካዊ ትካል 4 ዓመት ዕምጡቕ ሓግዩን ከሪሙን ኣብ 5ይ ዓመት ይቅርታ ይሓትት፡፡ ዝሓተቶ ይቅርታ ህዝቢ መልሲ ክሳብ ዝህበሉ ኣይፀንሕን፡፡ ባዕሉ “ይቅርታ ተገይሩለይ ኣሎ” ይብል፡፡ “ይቅርታ ተዘይትብሉ እውን ነውሪ የብሉን” ይብል፡፡ ክነቅፍ ንዝሞከረ ድማ “እዚ ድኣ ፀላእትና ዝብሉዎ እንድዩ? ብህወሓት ዝጠፈአ ዘመድ ኣለዎ ድዩ? ብደንቢ ኣፅንዑዎ! ሓዙዎ ከይትለቁዎ! ኣብዙ እዋን እዚ እዋኑ ኣይኮነን፡፡ መረፃ እዋን ወይ ፀላእትና ክውሕጡና ዝተቓረቡሉ ግዘ እዩ” ወዘተ ይብሃል፡፡

ናብ 6ይ ዓመት ምስ ሓኾሩ ድማ እቱ ግዜ ናትና እዩ ዝወለዶ “እቱ መስመር ይስዕር!” ይብሉኻ፡፡ ህዝቢ ትግራይ እምበር መስመር ህወሓት ኣይስዕርን፡፡ ግን ድማ ክሳብ ሎሚ መን ደፊሩ ይዛረብ ነይሩ፡፡ ጥቕመኛ ኣሎ፡፡ ዕስለነት ኣሎ፡፡ መስመር ህወሓት ብዘይ ህዝቢ ትግራይ ሰዓራይ እንተኾይኑ እስኪ ደቡብ ኢትዮጵያ ወሲድኩም ስዓሩሉ! መስመር በይና ትስዕርን ተድሕንን ተትኸውንስ ልዕሊ ስዩም መስፍን፣ ኣባይ ፀሃየን ስብሓት ነጋን ተድሕኖ ሰብ ኣለዋ?

እቱ ዝገርም ኣብዙ ብዓል 34 ገፅ ሰነድ ከም መፍትሒ ዘቐመጡዎ ቐዳማይ “…ሽግር ዘይምፍጣርን፡ ካልኣይ ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ክህልወና ምግባርን እዮም…..” ይብል፡፡ እሞኸ ሽግር ምፍጣር ኣትሪፎምዎ ዶ? ወይከ፡፡ ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ከ ፈጢሮም ዶ? ግዛዕ የለን፡፡

እቱ ካሊእ ከም ፀገም ዝተልዓለ “…ነቶም ቀለም ወያነ ዝመርሑ ስጉምቲ ተዝውሰደሎም ነይሩ፡ እቱ ነካይዶ ዘለና ኲናት መትረፈ…” ይብል፡፡ ፅቡቕ ኣብ ልዕሊ ቀለም ወያነ ዝመርሑ ዝነበሩ ስጉምቲ ምውሳድ ዘድሕን እንተነይሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሻዕቢያ ስጉምቲ ምውሳድ ንምንታይ ጄኖሳይድ ትግራይ ከይበፅሕ ከም ዘየትርፍ ግልፂ ኣይኮነን፡፡ “ጎይታን ጊላን” ትብል ሓረግ ናይ መን እያ ዝነበረት?

እቱ ርግፀኛ ኾይንካ ክስመረሉ ዝኽእል ሓቂ ድማ ዋላ እውን ኣብ ልዕሊ ኣብይ ስጉምቲ ተወሲዱ መንግስቲ ፌዴሪኢ ካሊእ ተዝኸውን ህወሓት መሪሑ ዘምፅኦ ናይ ሰላምን ዴሞክራስን ለውጢ ኣይምረኣናን፡፡ ምኽንያቱ ዝኽፈል ተኸፊሉ ’ኮ ብህይወት ተሪፎም፡፡ ትግራይ ክልልን ውድብ ህወሓትን ሕምስምስ ትብል ኣላ፡፡ እዚ ነቱ ቐለም ወያነ ብምትራፍ ጥዑይ ስርዓት ክስጉም ምግባር ዘኽእል ኣይኮነን፡፡ እቱ ጠፊኡ ዘሎ ህይወትን ንብረትን ግን ክንድኡ ዘይከጠፍእ ይኽእል፡፡ ብመሰረቱ ኣብይ ጥፍኣት ኣለዎ እንተተባሂሉ እውን ’ኮ ኣብይ ዝኣክል ሰብ መንግስቲ ገይሩ ዘምፅአልና ህወሓት’ዩ፡፡

መንግስቲ ሻዕቢያ ኣብ ልዕሊ ክልልና ወራር፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ጅምላዊ ጨፍጫፍ ኣካይዱ (ፈፂሙ) ምንም እንድሕር ዘይተብሃለ፡ ንሕና ህዝብን ተዋጋኣይን ፈላሊና ወራሪና ኣወጊድና ብህዝቢ ኤርትራን ሕጊ እንዳባን ዝማሓደር ሰናይ ጉርብትና ዝኣምን ብህዝቢ ኤርትራ ዝምረፅ፣ ዝውገድን ዝእገድን ኣካል ምፍጣር ከመይ ከም ዘጥይቐና ግልፂ ኣይኮነን፡፡ እዚ ንገብሮ ድማ ንሕና ኾይንና ዘይኮነ ሰራዊት ኤርትራ ኾይንና እዩ፡፡

መቼም እዛ ብዓልቲ 34 ገፅ መዘዘኛ ወረቐት ዘይሓዘቶ ማዓት የለን፡፡ “…ኣብ ዕልዋ መንግስቲ ዘካየዱ ወታደራዊ መንግስታት ኣሜሪካ ዝተማሃሩ ወይ ብኣታቼነት፣ ብዲፕሎማትነት፣ ብስልጠና፣ ናብ ኣሜሪካ ዝመላለሱ እዮም….” ይብል፡፡ ጅምላዊ ፍረጃ ኣብ ቦቱኡ ኣቐሚጥና ….ምዕራባውያን ታርጌቶም ህወሓት እዩ፡፡ እዚ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ….” ይብል፡፡ እቱ ዝገርም ዝበዝሑ ዕልዋ መንግስቲ ዘካየዱ መንግስቱ ሃይለማርያም ሓዊሱ ኣሜሪካ ልተማሃሩ ኣይኮኑን፡፡ እቱ ኻሊእ ፖሊቲካ ትግራይ ተገልቢጡ ዝግበጥ ዘሎ ኣካይዳ እዩ፡፡ ህዝቢ ከድሕን ፖሊቲካዊ ውድብ መስዋእቲ ይኸፍል እምበር፤ ፖሊቲካዊ ውድብ ከድሕን ህዝቢ መስዋእቲ እናኸፈለ ዝነብር ኣብ ዓለም ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ከይኮነ ኣይተርፍን፡፡

ኣብዚ ነቱ ሎሚ ዘሎ ፖሊሲ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ስትራቴጂካዊ ኣንፈት ህወሓት ብኸመይ ከተዓርቑዎ ከምዝኽእሉ ብዝበለፀ ንህወሓት ዝምልከት ኮይኑ፡ ከም ውልቀ ሰብ ግን የፀግመለይ፡፡ ካሪኩለም ትምህርቲ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ ምስ ናይ ኣሜሪካ ዩኒቨርስታት ንምትእስሳር፡ መፅናዕቲ ንምክያድ ብሰብ ሞያ ፉል ብራይት ኣሰልጣንነት መፅናዕትን ምርምርን ክካየድ ተሓሲቡ ልዕሊ 200 ሽሕ ዶላር ተበጅትሉ ምግባረ ሰናይ ትካል ኣዳላዊ እዙ ፅሑፍ እውን ንምውድዳር ብቑዕ ኮይኑ፡ ኣብ ከይዲ ውድድር ኣትዩ ነይሩ፡፡ ልዕሊ 10 ዩኒቨርስታት ኢትዮጵያ ንወካሊ መርኣያ ወይ ክዓ ሳምፕል ብምሕራይ እቱ መፅናዕቲ ካብ 2024 ዓ.ም.ፈ. ከም ዝጅምርን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተዛዚሙ ኣብ ኩለን ዩኒቨርሲታት ናይ ርእሰ ምሕደራ አሰራርሓ ናብ ትግበራ ከም ዝእቶን እቱ ንተመራመርቲ ዝወፀ ፃውዒት መፅናዕቲ የመላኽት፡፡

እዚ እንድሕር ኾይኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣሜሪካ ምምሃር ፖሊቲካዊ ውግንና ህወሓት ዘየረጋግፅ እንተኾይኑ፤ እቱ ፖሊሲ ኣብ ሃገርና ይትግበር ኣሎ፡፡ ስለዚ ኣብ ዩኒቨርስታት ሃገርና ዝፈሪ ሙሁር ትግራዋይ ዘይቕበል ኩሩዕ ፖሊቲካዊ ፍልስፍና ክኽተሉ እዮም ማለት’ዩ፡፡ እዚ ናይ ህወሓት ስትራቴጂካዊ ውድቀት ዝወለዶ ናይ ኣታሓሳስባ ፀገም’ዩ እምበር፡ ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርስታት ተማሂሮም ዓብዮም ዘምህሩ ኣሜሪካውያን ፕሮፌሰራት ንፖሊሲ ኣሜሪካ ዝቃወሙን፡ ሶሻሊስታዊ ስርዓት ዝድግፉን ምህላዎም ዘይምፍላጥ’ዩ፡፡ “…ኩሉ ግዜ ኣሜሪካ ከይትኣምኑዋ!…” ፕሮፌሰር ጆን ጄ.ሜእርሻይመር፡፡ “ካፒታሊዝም መንገዲ ውድቀት እዩ! ኒዮሊበራላዊ /ካፒታሊስታዊ/ ኣካይዳን ምንቁልቋል ኣሜሪካን!” ፕሬፌሰር ሪቻርድ ዎልፍ፡፡ እዚኦም ኣብ ኣሜሪካ ተወሊዶም ዝዓበዩ፣ ናይ ፖሊቲካል ሳይንስ ፕሮፌሰርን ናይ ኢኮኖሚክስ ፕሮፌሰርን እዮም ከም ቅደም ስዓቦም፡፡ ክልቲኦም ድማ ፀዓዱ እዮም፡፡ ስለዚ ኣሜሪካ ዝተማሃረን ዝተመላለሰን ኩሉ ሕንጉጒ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ናይ ስነ-ምዕሩይነት ፀገም እዩ፡፡

ምስ ምዕራባውያን ብፍላይ ድማ ምስ ኣሜሪካ ዘጋፍጥ እንታይ ኣለና? ምዕራባውያን ኣብ ክንዲ ፀላእቲ ምግባር ፈተውቲ ገይርካ፤ ክትገብሩዎ ክንዲ ዝግበአኩም እናገበርኩም ኣይኮንኩምን! እናበልካ ምንባር ዶ ኣይበልፅን፡፡ ከማና ዝበላ ዓድታት ማሓዙት ምዕራባውያን እየን፡፡ ክዓቢያ ድማ ይርኣያ፡፡ ቻይና ኸይድካ መጨቆኒ መሰርሕ እምበር ኣብ ልዕሊ ሙሰኛ ብዓል ስልጣን ዘሎ ኣወሳስዳ ስጉምቲ ተሞኩሮ ኣየምፅኡን፡፡

እቱ ኻሊእ ሓቂ ህዝቢ ትግራይ ክንድዚ ዝኣክል ሽዉድ ህዝቢ ምዃኑ እዩ፡፡ ምዕራባውያን ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ ህዝቢ ትግራይ ማሓዛ ገይራ ክትሕዞ ትደሊ፡፡ ህወሓት ዝብሃል ውድብ ክተቕፅሎ ኣይትደልን፡፡ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ዝተፈጥረ ምትእስሳር ብቐሊሉ ከፈላልዩዎ ኣይክኣሉን፡፡ ስለዚ ብናይ ባዕሉ ኣካይዳ ናብ ልምዓት ዘይኮነስ ምስ ምዕራባውያን ናብ ፖሊቲካውን ወታዳራውን ጅፍዒት ተረግሪጉ ዝነብር ህወሓት፡ ብዓይኒ ፖሊቲካዊ ዕዳጋ መዚኑ ዘዋፅኦ ውሳነ ክውስን ይግብኦ ነይሩ፡፡ ኣይገበረን ድማ ኣብታ ንሪኣ ዘለና ተረግሪጉ ኣብ ፀጥታዊ ስግኣትን፡ ኢኮኖሚያዊ ቕልውላውን ይቕፅል ኣሎ፡፡ 

ፖሊሲ ንግዲ ልውውጥ ዓለምለኸ ዕዳጋና እውን ክምራሕ ዘለዎ ኣንፈት እንተቕምጡ፡ ብዋጋ፣ ብፅሬት፣ ብነዊሕ ግልጋሎት ምሃብን ዘይምሃብን፣ ብቐሊሉ ፀጋንን መለዋወጢ ኣቑሑትን ዝርከበሉን ዘይርከበሉን ብዝብል ዘይኮነ፡ “…ነቱ ሐዚ ዘሎ ዓለምለኸ ኣሰላልፋ ፈሊጥካ ኔትወርክን መሰረተ ልምዓትን፡ ብናይ ቻይና ህዋዌ ጂ5 ክምራሕ ምግባር እዩ….” እንትብል ህወሓት ብዓቕሙ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ማዕቐብ ምንባሩ እዩ፡፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ማዕቐብ ኣይገበረትን፡፡ ህወሓት ንምንታይ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ማዕቐብ ክገብር ብስትራቴጂካዊ ኣንፈት ከም ዝሓዞ ግልፂ ኣይኮነን፡፡

“ናይ ኣብይ ዑደትን ዕላምኡን!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ንውሰድ፡- ኣብይ ናይ ምዕራባውያን ተለኣኣኺ፣ ናይ ኣዕራብ ተለኣኣኺ፣ ሃገራዊ ክሕደት ዝፈፀመን ሉኣላውነትን ጥቕምን ሃገር ኣሕሊፉ ዝሃብን እዩ፡ ክብሉ በቶም ዝገበሮም ዑደታት ይኸሱዎ፡፡ እቶም ናይ ኣብይ ምስ ኢሳያስ፣ ኣዕራብ፣ ግብፂ፣ ዝገበሮም ርክባት ይኽሰሰሎም፡፡ ኣባይ ጠጠው ኣቢሉ፤ ማሃንዲስ ኣቕቲሉ፣ ወዘተ ብዝብል ይኽሰሰሎም፡፡ ንሶም ቂሞም ከም ዘይርስዑ ብጣዕሚ ቂመኛታት እናሃለዉ፤ ኣብይ ካብኣቶም ዝገደደ ቂመኛ እናሃለወ ንምንታይ ቂሙ ክርስዐልና ይኽእልዩ ኢሎም ከም ዝሓስቡ ግልፂ ኣይኮነን፡፡ ስራሕቲ ኤሌክትሮሜካኒካል ግድብ ኣባይ ንምንታይ ኣሜሪካዊ ኩባንያ ተወሃበ ዝብል ክሲ እውን ኣሎ፡፡

ካሊእ ተኸሳሲ ተገይሩ ዘሎ ዲፒ ዎርልድ ዝብሃል ናይ ኢማራት ዓረብ ትካል ምልማዕን ምምሕዳርን ዓለምለኸ ወደባት እዩ፡፡ እዙ ትካል እዚ ብድሕሪኡ ብፅሒት ምዕራባውያን ምህላዉ ዝክሓድ ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ንኹሎም ተኸሰስቲ ብፅሑፍ ከምዚ ተባሂሉ ምውፅኡ ግን ትግርኛ ስለዘይፈልጡስ ኣይበፅሖምን ማለት’ዩ፡፡ እቱ ኻሊእ ኣገራሚ ነገር “ጎበዝ መራሒ ብዙሓት ተኸተልቲ ይፈጥር፤ ብልህ መራሒ ድማ ብዙሓት መራሕቲ ይፈጥር” ዝብል ብሂል ፈረንጂ እንትንወስድ ናይ ኣዕራብ ምትእትታው ኣብ ሓንቲ ለይቲ ኣይመፀ፣ ድሌትን ኣካይዳን ኣሜሪካ ኣብ ሓደ ዓመት ኣይተኸሰተ፡፡

ነብሰሄር መለስ ምስ ዓርሰ እምነትን ዓቕምን ዘለዎም ላዕለዎት ካድረታት ህወሓት ንዘይምግፋጥ፣ ኢሉ እውን ኣንጃ ንዝበሎ ሓይሊ ንምስዓር “ሶሻሊሰት ነይርና ሎሚ ግን ተጠሚቕና ኢና” ክብል ከሎን፡ ናብ እንግሊዝ ዑደት ክገብር ከሎ ድማ ብሕታዊ ቤተ መንግስቲ እንግሊዝ ዝረገፀ፡ እናተብሃለ ክዝመረሉን ተለኣኣኺ ኾይንካ ኣይተብሃለን፡፡ ካሊእ ሰብ እንትኸውን ንምንታይ ፀረ-ሶሻሊስታዊ ስርዓት ህወሓት ተገይሩ ክስኣል ይድለ ከም ዘሎ ግልፂ ኣይኮነን፡፡

መለስ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ካብ ሃገራት ወሽመጥ ባሕሪ ጋልፍ ክመፅእ ዝኽእል ሓደጋ ንምምካት ኢጋድ ኣጣይሹ ዝብል እውን፡ ኤርትራ ብተፃራሪ ጠጠው ኣብ ዝበለትሉ ኩነታት፣ ኣብ ሶማልያ ብኣሜሪካ ዝተጣየሽን ዝምራሕን ክብል ህወሓት ዝኸሶ ኣልሻባብ እናሃለወ፡ ብኢጋድ ከመይ ዝበለ ሰራዊት ተሃኒፁ ፀቕጢ ምዕራባውያንን ተለኣኣኽቶም ኣዕራብን ጠጠው ከብል ከም ዝኽእል ተረድእ ሓንቲ መስመር ፅሕፍቲ ኣይትርከብን፡፡

ትካል ምልማዕን ምምሕዳርን ዓለምለኸ ወደባት ዱባይ ኣብ ፖርት ሱዳን፣ ኣብ ሶማሊላንድ ዝተዓወተ ኮይኑ፣ ፈቲኑ ዘይተሳኸዐሉ ወደባት ኤርትራን ጅቡትን ሓዊሱ ናይ ወደብ ፖሊቲካ ኣብ ምስራሕ ከም ዝነጥፍ፡ እዚ ማለት ድማ ኩለን ወሰና ወሰን ኢትዮጵያ ዘለዋ ወደባት ተኻርዩ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዕፅዋን ክባን ከም ዝፈጥር ይኸስስ፡፡ እዙ ኽሲ እዚ ኣብ ተመጣጣኒ ፖሊቲካዊ ሰለፍን ኣብ ኢትዮጵያ ተቐባልነትን ሃልዩካ ትገብሮ ተዝኸውን ዋጋ ምነበሮ፤ ሎሚ ትግራዋይ ኣብ ኢትዮጵያ “ኦርፋን ወይ ክዓ ወላዲ ኣልባ” ኮይኑ ኣብ ዝርኣየሉ ሃገር ምስ ደጋውያን እውን ምግፋጥ ንደፍጣጢኻ ነዳዲ ጉልበት ከም ምሃብ ዝቑፀር’ዩ፡፡ እዞም ነገረኛታት ከይልዓሉ በሉዎም ኣኽስሙዎም ዝብል ቅዋሞም ከጠንክርን ናብ ነገራዊ ሓይሊ ክቕየርን: ካብ ምግባር ሓሊፉ ንህወሓት ከም ውድብ ይኹን ንህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ዝፈጥሮ ኣወንታዊ ትርጉም የለን፡፡

ኣሜሪካ ኣብ መስመር ጅቡትን ኢትዮጵያን ዘሎ ርክብ ንምዕፃው ትሰርሕ ነይራ፣ ኣላ፣ ክትቅፅል ከም ዝኾነት ይኸስስ፡፡ ኣሜሪካ ትግርኛ ስለዘይተኽእል ፀገም የለን፡፡ ኣይትፈልጦን፡፡ ተትፈልጦ እውን ተምፅኦ የብላንîî ህወሓት ሃገራዊ መንግስቲ እንትኸውን ምዕራባውያን ዘለዉዎ /ዝጥቀሙሉ/ ወደብ ፀረ-ብሄራዊ ረብሓ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ህወሓት ስለዝኾነ ዝጥቀመሉ ወደብ ጁቡቲ ከም ዝኾነ ነፂሩ ኣቐሚጡ ኣሎ፡፡ ኣብይ ናይ ኣሜሪካ ተለኣኣኺ ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ናብ ሊበራል ደንበ ኣትያ ኣላ፡፡ ጌታቸው እውን ናይ ኣብይ ተለኣኣኺ ስለዝኾነ ካብ ዓድዋ፣ ኣኽሱምን ሽረን ወፃኢ ዘሎ ትግራይ ሒዙ ናብ ሊበራል ደንበ ኣትዩ ኣሎ ማለት’ዩ፡፡ ስለዚ ብቋንቋ ህወሓት ዓድዋ፣ ኣኽሱምን ሽረን ደሴታት ኮሙኒዝም ምዃነን’ዩ፡፡

ኣብ ሞንጎ ዋኒና ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዘብፀሐሉ ጉድኣት ጄኖሳይዳዊ ዅናት ዝእውጅ መንግስቲ ስልጣን ብምሃብን፤ እቱ ዅናት ብህወሓት ይኹን ብኻልኦት ወገናት ብምፍጣሩን ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ድሕሪ ስምምዕነት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ንፅባሒቱ ህዝቢ ዓለም ትፈልጢኻ፡፡ ሕማቕ በደል በፂሑና እዩ፡፡ ከመይ ትገብረና? ዝብል ሓገዝን ልቓሕን ብትኩሱ ከይሕተት ኣብ ፀቢብ ተዳጒኑ ክራጋሕ ትግራይ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ክትረኽቦ ዝግብኣ ሓገዝን ልቓሕን ካብ ኣጀንዳነት ክትወፅእን ክትርሳዕን ብምግባር እውን’ዩ ናይ በደላቱ መቐፀልታ ከቢድ ሃሰያ ኣብፂሑላ፡፡

ካሊእ ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ንኣልሻባብ ብምሕጋዝ፣ ትፅቢት ዝግበረሉ ልዕሊ 7 ቢልዮን ዶላር ዓመታዊ እቶት ሃፍቲ ተፈጥሮ ጋዝን ነዳድን ክልል ሶማሌ ብሽም ምኽባር ሰላም ብምውራር፣ ፖታሽ ማዕድን ዓፋር ብምውራርን መራኸቢ መሰመር ዓፋር፣ ጁቡትን ሶማሌን ብምዕፃው ቻይና ናብ ኢትዮጵያ ከይትኣቱ ከይትወፅእ ብምግባርን ብኣብይን ኢሳያስን ተለኣኣኽነት ከም ትሰርሕን ፈሊጣ ህወሓት ንኣሜሪካ፣ ኢሳያስን ኣብይን ኣበይ ብኽሳዶም ከም ትሓንቆም ተቕምጥ፡፡ “…ንሕና ድማ ንፀላእትና ኣበይ ብኽሳዶም ከም ንሓንቆም ፈሊጥና ጂኦፖሊቲካዊ ተደራዳራይነትና ብምዕባይ ህላወናን ጥቕምናን ከም ንሕሉ ፈሊጥና ካርታና ክነማዓራሪ ይግባእ፡፡…” ብስትራቴጂካዊ ኣንፈት ደረጃ ዝተነድፈ ፖሊሲ ርክብ ጉዳያት ወፃኢ እውን ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰጢሕኻ፡ ንሞሳድ በታኒ ሃገር፣ ንዓፋር ክጎብጠካ እየ፣ ንኣሜሪካ፣ ኢሳያስን ኣብይን ብኽሳድኩም ክሓንቀኩም’የ፣ ቅማንት ክልል ንምግባር ንኣምሓራ ክብትነካ እየ፣ እንተይልካስ ንሶም ከ ክሳብ ዝሕነቑ ይፅበዩና ዶ ይኾኑ? እዩ እቱ ሕቶ፡፡

ኣብዛ ብዓልቲ 34 ገፅ ሰነድ ቀፂሉ ድማ ኣሜሪካን ሞሳድን ዝብል ናይ ክሲ ፋይል ትኸፍት፡፡ “….ብምኽንያት ምውሳኽ መጠን ሙቐት ዓለምና /Global warming/ ኣብ ዓለምና እቲ ዝልዓለ ዋጋ ዘለዎን፡ ንመፃኢ ክባርን ዘይርከብን፡ ፅሩይ ዝስተ ማይ እዩ፡፡ እዚ ዝርከብ ካብ ብተፈጥሮ ዋሓዝቲ ሩባታት ስለዝኾነ ብቐፃልነት ዓበይቲ ሩባታት ናይ ንሕንሕ ማእኸላት ክኾኑ እዮም፤ ትብል’ሞ ኣብዚ ድማ ኣባይን ተከዘን ናይዚ ኣካል ክኾኑ እዮም፡፡ ኣብ ተፋሰስ ሩባ ኣባይን ተከዘን ዘለዋ ሃገራት ናይዚ ሰለባ ክኾና እየን” ይብል፡፡ ብኣንፈት ደረጃ ዓበይቲ ሩባታት ማእኸል ንሕንሕ ኣይኾኑን ዝብል የብለይን፡፡ እቱ ነጥቢ ቀፂሉ ኣብ ዘሎ ሓሳብ እዩ፡፡

ኣብዚ ኣሜሪካ ትኽሰሰሉ ፋይል ምስ ሞሳድ ኮይኑ፡ እስራኤል ካብ ሩባ ኣባይ ናብ ኣስዋን ግድብ ዝኣቱ ናይ ተፈጥሮ ማይ ንምርካብ ስራሕ ካብ ትጅምር ከም ዝፀንሐትን “…ኣብዙ ከባቢ ዘለዋ ሃገራት ሓይሊ ሃልዩወን ጥቕመን ከይከላኸላ፡ ናብ ኣናእሽቲ ምምሕዳራዊ ግዝኣታት ክበታተና ሞሳድ ከም ዝሰርሕን ንሱዳን ብምብታን ከም ዝጀመሮን ሱዳን ናይ ምብታን ስርሑ ከም ዝቕፅለሉን ይኸስስ፡፡ እዚ እንትቕፅል ሞሳድ ኢትዮጵያ ንምብታን ከም ዝሰርሕን፣ ፈለማ ትግራይ ዘይብላ ኢትዮጵያ ብምፍጣር ከም ዝጅምርን እቱ ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ወፍሪ ከም ዝቕፅለሉን የመላኽት’ሞ፡ ሞሳድ ናብ ተከዘ እውን ከም ዝመፅእ የስምረሉ፡፡—”

ሞታያ ዝኣኸለት ኣንጭዋስ ኣፍንጫ ድሙ ተጫኑ፤ እዙ ዓይነቱ ኮይኑ ይስመዐኒ፡፡ ኣሜሪካን መሻርኽታን ኣብ ኩሉ ዓንቀፃት ተኸሰስቲ ብምግባር ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝህልዋ ቅዋም ከይጥቅው ዶ ኣይገብሮን? ካልኣይ እስራኤላዊ ኣብ ጎንኻ ኣቐሚጥካ ንእስራኤል ምውንጃል፡ እሞ ድማ ሞሳድ ነቶም ዝኽሰሰሎም ዘሎ ገበናት መርትዖ ዝኸውን ሓንቲ ብጣስ ሰነድ ወይ ካሊእ መረዳእታ ኣብ ዘይተቕርበሉ ፋይል ምሕዋስ ሓይሊ ክትረክብ ድዩ ዝሕግዝ ሓይሊ ፀላእትኻ ኢኻ ትቑልል ዘለኻ? ንመን ኢኻ ትሰርሕ ወይ ትቃለስ? ንባዓልኻ ኣብ ዝጠቕመካ ዶ ኣይኮንካን ሓሳብ ተዋፅእ?

ዳኛኻን ሽማግለኻን ኣሜሪካ፡፡ ብኹሉ ዓይነት ወንጀልን ነውርን ትኸሳ ዘለኻ ኣሜሪካ፡፡ ንዳኛን ሽማግለን ንስኻስ ግርፉጥን ወንጀለኛን ኢኻ እንተይልካዮ እንታይ ዓይነት መልሲ ወይ ውሳነ ኢኻ ትፅበ? ተፈናቓላይኻ ከም ጨው ተበቲኑ እናሃለወ፤ በል ዕጥቅኻ ፍታሕ ዝብል ውሳነ፡፡ ይትግበር ድማ ኣሎ፡፡ እዚ ፀፀገምካ ኣብ ክንዲ ምኽኣል እስራኤላውያን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ፡ ኣብ ሞንጎ ምንባርን ዘይምንባርን ዝውስን ኣጀንዳ ኣለዎም፡፡ እዚ ብዲፕሎማሲ እውን ዘመናት ዘቑፀረ ህዝባዊ፣ ሃይማታዊ፣ ዲፕሎማሲያውን ናይ ደምን ዓፅምን ምትእስሳር ዘለና ህዝቢ ኢና፡፡ ንሓምዮ ነገር እንትሃልዩ እውን ንባዕሎም ኣብ ዕፅዊ ገዛ ክንገሮም ዝግባእ እምበር ኣብ ኣደባባይ ኸሰስቶም ክስጣሕ ዝግብኦ ኣይኮነን፡፡ ዘምፀአልና ረብሓ’ውን የለን፡፡ 

መንግስታት እስራኤልን ኣሜሪካን ክንዲ ዝፈጠሩዎ ርክብ ንሕና ምስ እዘን ሃገራት እዚአን ክንፈጥር ንምንታይ ከም ዘይንደሊ ግልፂ ኣይኮነን፡፡ ካልኦት ህዝብታት ኣብ ምብዳል ዋላ ኣይንሳተፍ ኣብ ሓባራዊ ረብሓናን ክልተኣዊ መንገድናን ግን ፀላእቲ ካብ ምግባር ፈተውቲ ምግባር ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን የዕርዩ ከም ዝጠቅም ይኣምን፡፡ ሓቢርካ ትሰርሕ ማለት ኣብ ኩሎም ውሳነታት ሓደን ተመሳሳልን ቅዋም ትወስድ ማለት ኣይኮነን፡፡ እዚ ድማ ኩሉ ግዜ ኣሜሪካን እስራኤልን እውን እንተኾና፡ ኣብ ዝፈላለያሉ ይተዓጋገሳ እምበር፡ ሓደ ዓይነት ቅዋም ኣይህልወንን፡፡ ንእስራኤል “በታኒት ሃገራት” ምባል ግን ዝውስኸልና መንከራ እምበር ዘመፀአልና በረከት የለን፡፡

እቱ ኻሊእ ኣብዛ ዘይጥቅውቲ ስትራቴጂካዊ ኣንፈት ህወሓት ብዓልቲ 34 ገፅ ሰነድ፡ “…ንሱዳን ከም ናይ ቃልሲ ማሓዛኻ ብምርኣይ ዝግለፅ ታሪኻዊ ስሕተትን፡ ኣንፃር ረብሓኻ ብምስላፍ ዝግለፅን እዩ” ይብል፡፡ ንሱዳንን ህዝቢ ሱዳንን ዋላ እውን መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ እውን መዕቖብቲ ነይሮም፡፡ ሎሚ ኣብ ጄኖሳይዳዊ ዅናት ኢትዮ-ትግራይ እውን መዕቖብቲ ተጋሩ ነይሮም፡፡ ክሳብ እዛ ፅሑፍቲ እትወፅእን ዋላ እውን ብድሕሪኡ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ካብ ሱዳን እንትስጎጉ ተጋሩ ብፍሉይ ክፀንሑ ዝገበረት ሃገርን መንግስታን ክንድዚ ዝኣክል ዉግዘት ክበፅሓ ምርኣይ ንውድብ ህወሓትን ኣባላቱን እውን በበይናይ መለክዒ ጠቓሚ ከም ዝኾነ ክሓስቦ ብጣዕሚ የፀግመለይ፡፡ እቱ ታሪኻዊ ሓቅታት እቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎም ኮይኖም ዋላ እውን ሕማቕ ዝነበረ ፅቡቕ ኢልካ ኣብ ጎንኻ ምስላፍ ብውሑዱ ናብ ፀላእነት ከይቕየርን፡ እንተፀለአ እውን ናይ ቅድሚያ ፀላኢ ከይገብረካ ኣብ ምዝሕሓል ኣብ ክንዲ ምስራሕ ማዕበል ፀላእቲ ዘፍሪ ኣገላልፅታት ብምጥቃም ዘድቅቐካ ስትራቴጂ ምንዳፍ ናይ ስነ-ምዑሩይነት ፀገም ዘለዎ እዩ፡፡

ህሓወት “…ንሕና እውን ካብ ስምዒት ወፂእና፡ ካብ ሩዋንዳ ትምህርቲ ወሲድና፡ ጂኦፖሊቲካዊ ተደራዳራይነትና ኣዕቢና፡ነዚ ብዙሕ ረብሓ ዘለዎ ሩባን ግደብን ምስ ቅማንትን ካልኦት ናይ ኣምሓራ ክልል ውፁዓት ህዝብታትን፡ ምሕዝነትና ብምጥንኻር ኢድና ብመተማ ኣቢልና ብምንዋሕ ናብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ክበፅሕ ብምግባር ህላወና ምርግጋፅ…”ይብል፡፡ ኣብዚ ከም ትግራዋይ ኾይንካ ዝሐሸ ረብሓ ንምርካብ ምሕሳብ፣ ንቡር እኳ እንተኾነ፤ እቱ ረብሓ ብክልል ኣምሓራ እናሓለፍካ ብጓል መንገዲ ኣቲኻ ክልል ኣፍሪስካ፣ ማሓዛኻ ክትገብር ብፅሑፍ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እናሰጣሓኻ ምኻድ ምኽሮም ብለቖታ መእሰሪኦም ኣሸንዳ እዩ እቱ ነገር፡፡ ክልሉ ክሳብ ተፍርሰሉ ስኺሉ ዝፅበየካ ሓይሊ ይህሉ ዶ? ኣብ ክንድኡ ክልልካ ኣፍሪሱ ኣካል ምምሕዳራዊ ግዝኣት ክልልካ ዝኾነ ቦታ ኣሕዲጉ ህዝብኻ በቲኑልካ ኣሎ፡፡ እዚ ንዘይትትግብሮ ተውርየሎም ቐዲሞም ኣብ ልዕሌኻ ይትግብሩዎ፡፡ ፖሊቲካዊ ባህልን ባህርን ህወሓት’ዩ፡፡

ከም ዝፍለጥ ዅናት ኢትዮ -ትግራይ ቕድሚ ምጅማሩ እቱ ዅናት ዘይተርፍ እንተኾይኑ ኣብ ውሽጦም ከፊትና ኣብ ውሽጦም ወዲእና ክንዓፅዎ ኢና ተባሂሉ፡፡ ኣብ ውሽጥና ከፊቶም ኣብ ውሽጥና ወዲኦምዎ፡፡ ኣብ ኣምሓራ ክልል ዘሎ ሕቶ ህዝብታት ድማ ስልጣን ኣብ ኢድካ እናሃለወ ዘይፈታሕኻዮስ ብመንገዲ ሰላሕታ ኣቲኻ ክልል ኣፍሪስካ ንብዓልኻ ክትረብሕ፡፡ ህዝብና ብዘይጭበጥ ናይ ህወሓት ሕልሚ ብዘየቋርፅ ናይ መከራ ዑደት ክህሰ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ብምንታይ ይሕዘን፡፡

ከምቲ ቕድም ክብል ዘልዓልኩዎ ኣሜሪካ ኣብዚ እውን “ሜቴክን ኢህወዴግን ብምፍራስ” ትኽሰስ፡፡ ሜቴክ ምስ ምዕራባውያን ከይሰርሕ ብመምርሒ ተኣጊዱ፡፡ ንሶም ድማ ሸሊኾም ብምእታው ኣፍሪሶምዎ፡፡ ኣብዚ ፈረንሳይን ኣሜሪካን ናይ ግብረ ኣበርነት ፋይል ተኸፊቱለን ኣሎ፡፡ ፈረንሳይ ቐደሙ እውን ምስ ኣምሓራ እምበር ምስ ትግራይ እዚ ዝብሃል ጥቅው ርክብ የብላን፡፡ ኣብ ሜቴክን ኣሹጉዳን ድማ ትኽሰስ፡፡ እዚ እንድሕር ነይሩ ድኣ እቱ ሙሉእ በኩለሄ መለስ እውን ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ ንምንታይ ነቱ ጨረታ ከም ዘይሰረዙዎን፡ ግድብ ኣባይ ዝኣክል ንምዕራባውያን ከም ዝሃቡዎን ግን ግልፂ ኣይኮነን፡፡ መለስ ድዩ ፈረንሳይ ምዕራባዊት ምዃና ዘይፈልጥ ነይሩ፤ ወይ ፈረንሳይ ንጨረታ ኮሚቴ ዝሃበቶ ኮሚሽን ዝዓዘዘ ኾይኑ መልሲ ዘድልዮ ነገር”ዩ፡፡

ካብዚ ከይወፃና “….ባንኪ ዓለም 1.2 ቢልዮን ልቓሕ ብ40% ወለድ ንኢትዮጵያ ብምሃብ ንኣሜሪካዊ ኩባንያ ክፍሊት ዝውዕል ልቓሕ ሂቡ፡፡ እቱ ሙሉእ ክፍሊት እንድሕር ዘይከፊላ ድማ ኣሜሪካዊ ኩባንያ ንግድብ ኣባይ ይወርሶ ዝብል ውዕሊ ተኣሲሩ” እናበለ ይኸስስ፡፡ ኣብዚ ግን ካሊእ ተኸሳሲ እውን ይውስኽ፡፡ ጠቅላይ ሚ/ር ነበር ሃ/ማርያም ደሳለኝ፡፡ እቱ መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብ ምብራቕ ኣፍሪካ ስምምዕነት ዝነበረ ፅባሕ ሕልፈተ ህይወት መለስ ኣትሒዙ ግድብ ኣባይ ናይ ኢትዮጵያን ህዝብታታትን ዘይኮነስ ናይ ኣሜሪካ ሃፋትም ኮይኑ እዩ” ይብል፡፡

ኣብዚ ናይ ኢትዮጵያን ህዝብታታን ክብርን ጥቕምን ኣልፋን ኦሜጋን ገይርካ ክስኣል ዝግበር ስራሕቲ ኣካል እንድዩ፡፡ መለስ ናቱ ዘይምህላው ክንደይ ዝኣክል ሓጓፍ ከም ዝፈጥር ክንገረሉን ክእመነሉን ህወሓት እከለ ኢልካ ሃስስ ኢልካ ዝትሓዝ ሰብ ዘይብላ ክትተርፍን፡ መላእ ህዝብታት ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ኣፍሲሱዎም ብምኻድ ኩሉ ግዜ ናቱ ኣይተኬነት ክንገረሉ ገይሩ ዝሓለፈ፤ ህወሓት፣ ኢህወዴግ፣ ኢትዮጵያን ህዝቢ ትግራይን ከም ሓደ መለስን ናይ መወዳእታን ዘፍርዩ ገይርካ ክሕሰብ፤ ዘለዎ ብልሒ ኣእምሮ ነዙ ተግባር እዚ ኣውዒሉዎ ሓሊፉ፡፡ ኩላ ነገር ብናቱ ዕድመ ዝተሰፈየት ገይሩ ሰሪሑዋ፡፡ ህይወት መለስ ምስ ሓለፈ ኩላ ፈሪሳ፡፡

ሎሚ ዘሎ ከቢድ ማሕበራዊ ዘይምትእምማንን ሱር ዝሰደደ ሙስናን ውፅኢት ፖሊቲካዊ ህንፀት መለስ’ዩ፡፡ መለስ ብብፅሒቱ ጥራሕ ክኽበር ዝደሊ ሰብ ኣይነበረን፡፡ ካልኦት ብምንሻው ወይ ብምንኣስ እውን ዝኸዶም ርሕቐታት ቀለልቲ ኣይነበሩን፡፡ ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ኣርከበ ዝገብሮም ዝነበሩ ፀለመታት 7 ፃሕሊ ሰኽቲቱ ሓደ ከየብሰለ ይተርፍ፡ ወዘተ ዝብሉ ነይሮም፡፡ ብርግፅ ኣርከበ ንመለስ ብኽልተ ነገር ይበልፆ እዩ፡፡ ኣሃዱታት መሪሑ ብምውጋእን ብፍርሒ ዝግለፅ ታሪኽ ዘይምህላውን ሓደ ኾይኑ፡ ኣብ ትሕቲኡ ንዝሰርሑ ሙሉእ ዓርሰ እምነት ሃልዩዎም ክሰርሑ ኣብ ምኽኣልን ኣብ መድረኽ ሙስና ከም ንቡር ክቑፀር ብዘይምዝራብን ይበልፆ፡፡ ኣርከበ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጀመሮ መስርሕ መስርሕን መሸጥን ደአንት ካብኡ ሓሊፉ ብድሕሪኡ ንዝመፁ ኩሎም በሪ ኸፊቱን ኩሉ ከከም ዓቕሙ መፍረያይ ኮይኑ ኣብ ህንፀት ሃገር እጃሙ ከወፊ ካብ ኣርከበ ሹቕ ክሳብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ዝተዘርገሐ መስመር ኢንዱስትሪ ነዲፉ ተግቢሩ ይትግበር ድማ ኣሎ፡፡ እቱ ዘፍረሱዎ እውን ኣብ ዜጋታታት ዝፈጥሮ ዘሎ ፅዕንቶ ቀሊል ኣይኮነን፡፡

ልምዓታዊ መንግስቲ  ዶ ርእሰ-ማላዊ ስርዓት?

“ልምዓታዊ መንግስቲ ንገባርን ታሕተዋይ መነባብሮ ንዘለዎም ናይ ከተማ ማሕበረሰብን ንሸቃሎን ማሕበራዊ መሰረቱ ገይሩ፡ ነተን ናይ ልምዓት ትካላት ሒዙ፡ ነቲ ውልቀ ብዓል ሃፍቲ /Private sector/ ይመርሕ ይብል፡፡” ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣመራርሓ ህወሓት ነገር ኣፀጋሚ እንድዩ፡ ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ድሕሪ 1993ዓ/ም እንድዩ ንርእሰ ማላዊ ስርዓት /ካፒታሊዝም/ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝብል ናይ መርዓት፡ መርዓት ሽም ተዋሂቡዎ፤ ቀዳማይ ነገር ድሕሪ 1993ዓ/ም ርእሰ-ማላዊ ሰርዓት ወይ ክዓ ካፒታሊዝም ኢና ንሃንፅ ክብሃል ከሎ ኣብ አገላልፅኡ እውን፡ “መቓልስትና በተኽ እዩ! እናበልና ተበቲኽና ተሪፍና ኢና፡፡ ነቱ ልምዓት ዘስጉሞ ርእሰ-ማላዊ ስርዓት’ዩ” ዝብል ከም ፋሽን ብዙሕ ፕሮፖጋንዳ ይንዛሕ ነይሩ፡፡

ስለዚ መቓልስትና ነቱ “ብርዧ ወናኒ ፋብሪካን ደላቢ ሃፍትን” መለሳዊ ስያመ “ልምዓታዊ ብዓል ሃፍቲ” ነቱ “ሃፍታም ገባር” መለሳዊ ስያመ ድማ “ሞዴል” ዝብል መደናገሪ ተዋሂቦም፡፡ በተኽ ዝብል ኣየድልን ዝብል ብግልፂ ካብ ኣባልነት እውን ክሰናበት ወይ ፋሕጠርጠር ኢሉ ሰሪቑስ ኣጭበርቢሩስ ክህፍትም ኣንፈት ተዋሂቡዎ፡፡ “እንተታሒዝካ ወንጀል’ዩ፤ እንተምሊጥካ ግን ስራሕዩ!” ተባሂሉ፡፡

ኣብዚ ዘሎ ስነ-ሞጎታዊ ምፍላስ እንታይ እዩ? ርእሰ-ማላዊ ስርዓት ናይ ሰብ ሃፍቲ ወይ ክዓ ካፒታሊዝም ናይ ካፒታሊስት እምበር ብምንም መዐቀኒ ናይ ሸቃሎ/ታሕታዋይ መነባብሮ ናይ ዘለዎም/ ኾይኑ ኣይፈልጥን፡፡ ሸቃላይን ብርዧን ናይ መዝማዝን ተመዝማዝን ርክብ እምበር ኣብ ሓደ ሰልፊ ክልቲኦም ጥቕሞም ተኸቢሩ ኣይፈልጥን፡፡ ናይ ሸቃሎ ስርዓት እንትህሉ ብርዧ ይኸስም፡፡ ናይ ብርዧ ስርዓት እንትህሉ ሸቃሎ ይኸስሙ እምበር፡ ካፒታሊዝምን ሶሻሊዝምን ኣብ ሓደ ስርዓተ መንግስቲ ክትግብር’የ ከም ማለት’ዩ፡፡

ስለዚ ናይ ታሕተዋይ ክፍሊ ሕበረተሰብ፡ ማሕበራዊ መሰረቱ ገይሩ ዝብል ብተግባር ዘይግለፅን ምጭብርባርን እዩ፡፡ ብስጋ ምስቱ ሕብረተሰብ ዝውዕሉ፡ ብደርቢ ምስ ፋይናንስ ተቋማትን ኢንዱስትርታትን ዝተኣሳሰሩ መራሕቲ ንታሕተዋይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ውግንና ክህልዎም’ዩ ተባሂሉ ክሕሰብ ኣይኽእልን፡፡ እቱ ኢኮኖሚ ተደፊኡ ናብ ፋይናንሳዊ ኦሊጋርኪ ስለዝደየበ ድማ እቱ ታሕተዋይ ፀፍሒ ሕብረተሰብ ኣብ ተራ ናይ ሓገዝን ዝናብ ዝፅበ ምህርቲ ሕርሻ/መፍረያይነት/ ተንጠልጢሉ ተሪፉ’ዩ፡፡ ኣብ ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ ነይሩ ዝብል እንተተኣማሚንካ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብህወሓት ዝቐረበ አገላልፃ /ሓሳብ/ ቅቡልነት ይስእን፡፡

ካሊእ ኣብዚ ቀሪቡ ዘሎ “….ኣናእሽቲ ኢንዱስትርታት ብዓበይቲ ዓሳታት ከይውሓጡ፣ ገባር ርእሰ ማል ክሳብ ዘዋህልል፣ ልምዓታዊ መንግስቲ ነዘን ናይ ልምዓት ትካላት ኣብ ቁፅፅሩ ክገብር ይግባእ…” ይብል፡፡ ኣብዚ ዘሎ ሓሳብ እንታይ ዝሓዘ እዩ? እቱ ብጣዕሚ ዝገርም ቴሌኮምን ባንክን ንኻልኦት ኣማራፅታት ዕድል ዝህብ ተዝኸውን ነይሩ፡ ኣብ ዕፅዋን ክባን ትግራይ ሽንክር ኣይምበልናን፡፡ እሞ ድማ ነዚ ሲ ከም ትኽክል ተወሲዱስ ክቕፀለሉ፡ ይፍከር ኣሎ፡፡ እቱ ካሊእ ዝገርም ንውሰድ፡፡ ትእምት ሓንቲ ትካል ልምዓት ትግራይ እያ፡፡ ትካላት ትእምት ግን ናይ መካይን መለዋወጢ ኣቑሑት እኳስ ካብ እኒ ኢኮቶሪያል ቢዝነስ ግሩፕ ኣዲስ ኣበባ እየን ዝዕድጋ ዝነበራ፡፡ ዘይክሓድ ሓቂ እንትሃልዩ ውሑዳት “ኩላክስ” ወይ ክዓ ናይቱ ስርዓት ሙሩፃት ተጠቀምትን እቱ ስርዓት ከይወድቕ ክሳብ መወዳእታ ዝጋፈጡን ውልቀ ሰባት ፈጢረን እየን፡፡

ኣብዚ እውን ስርዓት ወያናይ ዴሞክራሲ ትካላት ልምዓት ብዝብል ሽም ዝሓዘን ትካላት ትእምት ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘይኮነ፤ ህወሓት ፖሊቲክኡ ንምሕላው ኣብ ዝባን ወታደር ካብ ዘሎ ጠብመንጃ ንላዕሊ ዝተኣማመነለን ሓደ ክንፊ ቓልሲ እዬን፡፡ ኣብ ንቡር ፖሊቲካዊ ሃዋህው ናይ ባዕለን ስራሕ ዝሰርሓ፡ መንግስቲ ብህዝባውን ሲቪላውን ናዕቢ ንምውዳቕ ነጋዳይ ቐረባት ጠጠው እንተብል ኣትየን ዕዳጋ ከረጋግዓ፣ ገንዘበን ኣውፂአን ቀረባት ብምምላእ ነቱ ፖሊቲካ ክሽከመኦ ተሓሲቡ ዝተጣየሻ እምበር ከምቲ ኣብ ላዕሊ ቀሪቡ ዘሎ እንተነይሩ ዝሰርሐኦ ስራሕ ምግመጋም ይክኣል’ዩ፡፡

ነቱ ነጋዳይን ክፍሊ ሕብረተሰብ ንግድን ክድግፋ እንተነይረን ታሪኸን ዝነግረና ከምኡ ኣይኮነን፡፡ ስሚንቶ እውን ካብ ኣብ መቐለ ኣዲስ ኣበባ ይረክስ ነይሩ፡፡ ምሩፅ ዘርኢ ቐረብ ስሚንቶን መዳበሪያን እውን ወረዳታት ብናይ ባዕለን በጀት ዘጓዓዕዛሉ ታሪኽ እምበር ትራንስ ኣብዚ ኣብፂሓ ዝብል ሃሰስ ኢልካ ዝትሓዝ ታሪኽ የለን፡፡ ዋላ እውን ንግልጋሎት ትካላት ትእምት ዝሰርሓ ተሸከርከርቲ መለዋወጢ ኣቑሕተን ካብ መቐለ ዘለዉ ነጋዶ ዘይኮነስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ካብ እኒ ኢኳቶሪያል ቢዝነስ ግሩፕ እየን ዝዕድጋ ነይረን፡፡

ካልኦት ናይ ኢትዮጵያ ትካላት ፋብሪካታት ሒዘን ናብ ትግራይ ከይኣትዋ ብዋጋ ጦርነት ካብ ዕዳጋ ትግራይ ክወፃ ብምግባር ይሰርሓ ነይረን፡፡ ስለዚ ንነጋዳይ ትግራይ ዝተገበረ ደገፍ ኣበይ ኣሎ? ትካላት ልምዓት ዝተወደባሉ ኣግባብ ከም እኒ ቦርድ መረፃ ካሊእ ውሽጣዊ ምትእስሳሮም ምስ ወያናይ ዴሞክራሲ ኾይኖም ነቱ ፖሊቲካ ወያናይ ዴሞክራሲ ክሽከሙ ዝተጣየሹ ላዕሊ ላዕሎም ትካላት ፍትሒ ዝመስሉ፤ ውሽጠ ትሕዝቶኦም ግን ነቱ ናይ ህወሓት ፖሊቲካል ኢኮኖሚ ዝሽከሙ ተገይሮም ምጥያሾም እዩ ዝፍለጥ፡፡

ዋላ እውን እኒ ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ሓባሲ ንብዓትን እቱ ሕብረተሰባዊ ጥርዓናት ኣብ ውሽጢ ካድረታት ህወሓት ኮለል ኢሉ ኮለል ኢሉ ክተርፍ ንምግባር፡ ትካል ምስትእንጋድ ጥርዓን ሕብረተሰብ /ጥርዓን ሰማዒ ሰናይ ምምሕዳር/ ናብ ሰብኣዊ መሰል ይብል፡፡ ሰብኣዊ መሰል ናብ ሓባሲ ንብዓት ኪድ ይብል፡፡ ሓባሲ ንብዓት ድማ ወይ ናብ ሰብኣዊ መሰል ወይ ከዓ ናብ ጥርዓን ሰናይ ምምሕዳር ይብል፡፡ እዚ ላዕሊ ላዕሉ ክትሪኦ ከለኻ ብፅቡቓት ትካላት ዝተነድቀ ስርዓት ዝመስል፡ ውሽጡ ግን ብሰንፈለል ሕብረተሰብ ዝበሸቀጠ ማሃጉም’ዩ፡፡

ኣብዚ ሓንቲ ቁምነገር ሽው ከብል፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ተጋዳሊት ኣዜብ መስፍን ሆይ፡ ሆይ ተባሂላ ካብ ኣባልነት ማእኸላይ ኮሚቴ ክትሰናበት ዝተገበረትሉ ኣገባብ ንውሰድ፡፡ ከም ዝፍለጥ ኣብ ዘበነ ስብሓት ትካላት ትእምት ክሳራታት ይእውጃ ነይረን፡፡ ተጋዳላይ ስብሓት ተዓጒድካ ብምኻድን ሆይ ሆይ ፈጢርካ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ብምብታንን እምበር ኣብ ኣመራርሓ ህይወቱ እዚኣ ኢልካ ትምዘዝ ኣወንታዊ ሚና ዘይነበሮ ሰብ’ዩ፡፡ ቕድም ክብል ኣቦ ወንበር ህወሓት ኣብ ዝነበረሉ እውን ህወሓት ከም ውድብ ደውታን ምንቁልቋልን ኣጋጢሙዋ ነይሩ፡፡

ድሕሪ ምስንባቱ ድሒና ተመዓራሪያ ክትዕወት ክኢላ እያ፡፡ ካልኣይ ኣብ መሪሕነት ትእምት ትካላት ትእምት ምስ ጉጅልኡ ሰትዩ፡ ሸይኑወን ከም ዝተረፈ፣ ካልኦት ሰብ ሃፍቲ ኢንቨስት ከይገብሩ ናይ ዋጋ ጦርነት እንዳኸፈታ ክወፁ ብምግባር ትግራይ ሕዛእተን ኮይና ከም ኢኮኖሚ ድማ ባህታዊ ኢኮኖሚ “hermit state” ኮይኑ፤ ትግራይ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኢንቨስት ዘይገብሩላ ኮይና ፀኒሓ፡፡ እተን ትካላት ድማ ብኪሳራ ከም ዝፀንሓን ኣዜብ ምስ ኣተወት ከም ዝሓወያን መረጋገፂኡ፡ ሓደ ሱር ስራሕቲ መንገዲ ዝነበረ ናብ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ህንፃ፣ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ማይ፣ ኩባንያ መፅናዕትን ዲዛይንን ብምውሳኽ ኣርባዕተ ኩባንያ ገይራቶ፡፡

ብኻሊእ መልክዑ ኣብ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ሰላምን ልምዓትን እናሃለወ ተፀዋዕነቱ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኮይኑ እዚ ዝብሃል መፅናዕትን ስራሕቲ ሰላምን ልምዓትን ከቕርብ ስለዘይክኣለ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ፡፡ “ኣብ ስራሕ ኣይነበርኩን ኣብ ስራሕ ዘይምንባረይ ሕመቕ ኮይኑ፡ ኣብ ስራሕ ኣብ ዘይነበርኩሉ ድማ ኩሉ ዓይነት ጌጋ ከም ዝፍፀም ግልፂ እዩ፡፡ ስለዚ እንታይ ትብሉኒ ኣለኹም?” ከም ዝበለን፡ ምስዚ ብዝተኣሳሰር ድማ ንስብሓት ካብቲ ቦታ ንዘይምልዓል ካሊእ ተመሳሳሊ ትካል ኣጣይሹ ክሰርሕ ክሳብ ምፅዓር ዝበፅሐ ምንባሩ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቡ ምንባሩ ኣዲስ ዘመን ጋዜጣ ብሰፊሑ ኣንቢቡና ነይሩ፡፡

ምስ እዛ ሰነድ ዝመሳሰል ሓሳብ ስብሓት ምስ ትግራይ ሚዲያ ሃውስ ቃለ-መሕትት ኣብ ዝገበረሉ እዋን ኣንፀባሪቑ ነይሩ፡፡ ብርግፅ ስብሓት ኣብ ትግራይ ዘለዎ ሚና “ቤንቶናይት” ከም ዝብሃል ኬሚካል ክውሰድ ይኽእል፡፡ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ካብ ከውሒ ዝተረረ እዩ፡፡ ማሽናት ኳዕቲ ጎዳጉዲ ማያት ወይ ክዓ ሪግ ማሽን ኣብ ዝኹዕታሉ እዋን ዓብይ እምኒ ወይ ክዓ ከውሒ የጋጥመን፡፡ ነዙ ክውሒ እዚ ቤንቶናይት ኬሚካል ክኣትዎ ከሎ ናብ ዓፍራ ቀይሩ ሓሞኾሽቲ ዝመስል ዓፍራ ኮይኑ ይመክኽ፡፡ ነቱ ካብ ከውሒ ዝተረረ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ከም ቤንቶናይት ኬሚካል ክመክኽ ዝገብሮ ድማ ናይ ስብሓት ኣታሓሳስባን ተሸከምቲ ኣታሓሳስባ ስብሓትን እዩ፡፡ እዚ ብስሳታትን ሰብዓታትን ከምኡ እውን ብ1993 ዝሓለፈ ሎሚ እውን ብኣዜብ ጀሚሩ ኣብ ጌታቸው በፂሑ፡ ዘሎ ፍፁም ፀረ-ህዝቢ ትግራይን በታንን ኣታሓሳስባ እዩ፡፡

እቱ “ኣናእሽቲ ዓሳታት ብዓበይቲ ዓሳታታት ከይውሓጡ፤ ወይ ገባር ካፒታል ክሳብ ዘዋህልል” ዝብል ኣባሃላ ንውሰድ፡ እዚ ብኣባሃላ ደረጃ ፀገም ዘለዎ ኣይነበረን፡፡ ብተግባር ዝግለፅ ገባር ካፒታል ዘዋህልሉ ኣግባብ ግን ኣይነበረን፡፡ እቱ ሰቪል ሰራሕተኛ ናይ ባዕሉ ኣበል ዝቓርምን ኣብ ኣኼባን ኔትወርክን ዝውዕልን እዩ ነይሩ፡፡ እዚ ኣባል ወያናይ ዴሞክራሲ ምዃን እኹል ኣይኮነን፡፡ ተኣማኒ ክትከውን ብገበን ክትጨማለቕ ኣለካ፡፡ እንተዘይኮይኑ ክሰርቁ ከለዉ ሪኡ ዝሓለፍ ወይ ዘይሰርቕ ፅባሕ ክሕዘና እዩ ኢሎም ስለዝፈርሑ ጥዑ ከም ገበነኛ ገበነኛ ከም ፅሩይ ተገይሩ ክቐርብ ይሙኮር፡፡

እዚ እንትግበር ግልጋሎት ሕብረተሰብ በነፃ ዝህብ ስራሕ ከም ዘበላሹ ዘሎ ተገይሩ ይውሰድ፡፡ ጥራሕ ዘይኮነ ሕማቕ መልመድን ተለማሚፁ፡ ዝበሉዎ ጌጋ እውን ኣሜን ዘይብልን ስለዝኸውን ታኣማኒ ኣይኸውንን፡፡ ግልጋሎት ሕብረተሰብ ብጉቦ ሰፍዩ ዝሕዝ እዩ፡፡ በዙ መስርሕ እዚ ዝማሓደር ገባር ኣብ ሕድሕድ ብርኪ ግልጋሎት ግብሪ ክኸፍል ይግደድ፡፡ ብሕክምና እንስሳ ዝመፀ መድሓኒት ኣይረክብን፡፡ ግቡእ ግልጋሎት ሞያን ካልኦት ደገፋትን ኣብ መስኖን ካልኦት ስራሕቲ ግብርናን ኣይረክብን፡፡ እቱ ካፒታል ዋህሊሉ ዝብሃል ገባር እንተወሲድና አውን ንመስርሕ ግዕዝይና ብግቡእ ዝተረድአ፡ ጠርናፊ ኾይኑ ንድኻታት ዝመፀ ሓገዝ እንተሃልዩ ድኻ እየ ይብል፡፡ ንሞዴል ገባር እንተመፅዩ ድማ ኣነ ሃፍታምየ ይብልሞ ይሽለም፡፡ እዚ ብሓደ ማዓልቲ ሓደ ሰብ ሃፍታምን ድኻን ኾይኑ ክርከብ ኣይኽእልን፡፡ እዚ ዝክኣል ኣብ መድረኽ ህወሓትዩ፡፡

እቱ ኻሊእ ጌጋን ዘይጭበጥ ምጭብርባርን ድማ ልምዓታዊ መንግስቲ ናይ ልምዓት ትካላት እንተሸይጡወን፡ ካብ ቴሌኮም ዝረኽቦ ዝነበረ 60% ዓመታዊ በጀቱ፣ ካብ ባንኪ ዝረኽቦ ዝነበረ 30% በጀቱ፣ ካብ መጓዓዝያ/መንገዲ አየር/፣ ማይ፣ መብራህቲ፣ እቶት 10% በጀቱ ይስእን ይብል፡፡ ሃገራዊ እቶት ኢትዮጵያ ሲ ካብ ግልጋሎት እምበር ካብ ኢንዱስትርን ግብርናን ሲ ኣብዚ እቶ ዝብሃል ከም ዘይኮነ እዩ፡፡ 100 ሚኢታዊ እቶት ሓንቲ ዓዲ ካብ ግልጋሎት ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓመት ኣብ ሃገርና ተራእዩ ኣይፈልጥን፡፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓለም እውን የለን፡፡ እዙ ከምዚ ዝበለ ኣተናትና ዝሓዘ ውድብ እዩ ቀፃላይ ወለዶ ክሕምስ ዝህንደድ ዘሎ፡፡ እዚ ክብል ከለኹ ቅዋመይ እዩ ዝብል ተራ ናይ ካድረነት ክርክር ኣይኮነን፡፡ ናይ ስነ-ቑጠባ መምህር ኮይነ እየ ዝፅሕፎ ዘለኹ፡፡

እቱ ንኹሉ ሰብ ብጣዕሚ ዝገርም ድማ ኩሉ ግዜ ፀገማት ሓሲብካ ክትግምግም ኣብ ትኣትወሉን እትዳለወሉን ግዜ ካብ ዝሓሰብካዮን እትፈልጦን ንላዕሊ ነቶም ፀገማት እቱ መሪሕነት ይፈልጦምን ይዝርዝሮምን፡፡ ግን ክዓ ካብቲ ባዕሉ ዝገልፆ ንታሕቲ ንእሽተይ ፀገም ዘልዓለ ካሊእ ኣካል ኣመሪሩ ይፀልእን የጥቅዕን፡፡ ኣብዛ ብዓል 34 ገፅ ሰነድ ገፅ 14 ከምዚ ትብል “እዚ ኹሉ ህልቂት እቱ መሪሕነት ነቱ ስርዓት ክሕልዎ ስለዘይኽኣለ እዩ” እንታይ ሕቶ ኣለዎ፡፡ ግን ድማ ስርዓቱ ዘይሕሉ ውድብን መሪሕነትን ዓድን ህዝብን ክሕሉ ስለዘይኽእል ይልቀቕ’ዩ እቱ ቑም ነገር፡፡

እቱ ብሄራዊ ትካል ድሕንነት ኣባላቱን ኣመራርሕኡን ኣብ ኮንትሮባንድ፣ ኣነ ድህንነት’የ እናበሉ ኣዋልድ ኣብ ምስዳድ፣ ኣብ ፀሊም ዕዳጋ፣ ወይ ኣብ ካሊእ ዘይምልከቶ ተራ ወፍሪ እዩ ነይሩ፡፡ ናተይ ገምጋም’ዩ፡፡ እዚ ዝብል ዘለኹ ውልቀ ሰብ ንምኽሳስ ኣይኮነን፡፡ ህወሓት ከም ፖሊቲካዊ ትካል ትሑት ኣፈፃፅማ ዘለዎም ናብ ላዕሊ ብምስሓብ ሰባትን ስራሕትን ተፈላልዮም እናተመዘኑ፡ ከይዶም ከይዶም ሒዞምዎ ተደርሚሶም ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝብና ለኪሙ ካብ ሓደ ምዕራፍ ቅልውላው ናብ ካሊእ ዑደት ቅልውላው እናተሰጋገረ ኣብ ዘይዛሪ ወጥርን ሻቕሎትን ጥሕሉ፡፡

ኣብቲ ውድብ እቱ ዝሞተ እቱ ፖሊቲካዊ ስራሕ እዩ፡፡ ነዚ ዝመርሑ ሰባት በበይናይ መስርሕ እዮም ናብ ቕድሚት ዝመፁ? ፖሊቲካዊ ስራሕቲ ፈራዕራዕ ኣብ ዘበለሉ መዋእል ነቱ ፖሊቲካዊ ስራሕ ናብ ውልቀ ምትእስሳር ሰባት ተሰጋጊሩ፡ ውለቀ ሰባት ሞግዚቶም ዝሃንፁሉ እዩ ኾይኑ፡፡ እዚ ዝወለዶ ድማ ክሳብ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣጎንቢሱ ክሕንገር ይደሊ፡፡ እዙ ኣካል እዚ ማእኸል ስሕበት ኩሎም ቕልውላዋት ህወሓት እዩ፡፡

ውልቀ ሞግዚትካ ናብ ምህናፅ እንተተኣትዩ፡ እቱ ኣመራርሓ እውን ንባዕሉ ናብ ገዛኢ ደርቢ የዕቢ፡፡ እቶም ብሞግዚትነት ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝተሸሙን ዝተኣኻኸቡን ድማ ብዙሓት ፖሊቲካዊ ባእታታት ክፅንዑን ክትግብሩን ኣብ ክንዲ ምቅላስ ናይ ሓደ ሰብ ድሌት ክሳብ ዘማልኡ ዝህቦምን ዝኸልኦምን ዝተሓሽከሩዎ ሰብ ስለዝኾነ፡ ብዙሕ ክግደሱን ክወቀሱን ኣይኽእሉን፡፡ እዚ ምስ ዝኸውን ድማ ዋኒን ሕብረተሰብ ንባዕሉ ይምልከት ዝብል ይመፅእ፡፡ እቱ ዝገርም ግን ምስ ህዝቢ ንቃለስ ኣለና ንምባል ከምዚ ሕረስ ከምዚ ኣይትሕረስ ክሳብ ዝብል ብሞያ ሕርሻ ዘይኮነስ ብፕሮፖጋንዳ የሰላችዩዎ፡፡

ህወሓት ኣብ ውሽጢ ጄኖሳይዳዊ ዅናት ኮይኑ መን ኮይኑ እዩ ዝግምግም ነይሩ ዘብለካ ሓደ ነገር ኣሎ፡፡ ማለት ኢትዮጵያዊ ኾይኑ ድዩ ትግራዋይ ኾይኑ? ኣብዛ ብዓልቲ 34 ገጽ ሰነድ ገፅ-15 ዘሎ ንርአ፡፡ “…ፀላእትና ዝደልዩዎ ሰላምን ምርግጋዕን፡ ከይህልወና፡ ስሩዕ መንግስቲ መስሪትና ከይንዓቢ ከይንለምዕ እዩ፡፡ ንሕና እንዳተጣፋእና ተፈጥሮ ሃፍትና ከም ድላዮም ንምግባር’ዩ፡፡ ኮንጎ በዚ ምኽንያት 10 ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ልዕሊ ዓሰርተ ሚልዮን ህዝባ ተጨፍጭፉን ይጭፍጨፍን ኣሎ፡፡ …ወታደራዊ ኢንዱስትሪታት ኣሜሪካን ኣውሮፓን ግን ኮፐርን ኮባልትን ካብ ምውሳድ ዝኣገዶም የለን” ይብል፡፡

ኣብዚ እውን ምዕራባውያን ከምቲ ልሙድ ተኸሰስቲ ኮይኖም ንረኽቦም፡፡ ኣብዙ ኣባሃላ እዚ ፀላእትና ዝብሃሉ ዘለዉ፡ ምዕራባውያን ድዮም እቶም ዝወግኡና ዝነበሩ ክልል መንግስታት፡ ሰራዊት ፌዴራል መንግስትን ተጋበዝቲ ሃገራትን እዮም? በቲ ንሪኦ ዘለና ፀላእትና ዝብሃሉ ዘለዉ ምዕራባውያን እዮም፡፡ ስለዚ እቱ ኲናት ናይ ብልፅግናን ህወሓትን፡ ምዃኑ ተሪፉ ናይ ምዕራባውያንን ህወሓትን ተገይሩ እዩ ዝቐርብ፡፡ ኣነን ህዝብን ከም ንፈልጦ ድማ ጉዳይ ትግራይ ተራኣዩ ብዘይፈልጥ ኩነታት፡ ንልዕሊ 9+ ግዜ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብኣጀንዳነት ክቕርብ ዝተገበረ ብምዕራባውያን እምበር ብኢራን፣ ቻይና ወይ ብሩሲያ ኣይነበረን፡፡

“ጆ ባይደን ኣብ መልሓስ ገባር ትግራይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ርእሲ ኣሜሪካ ፈፃሚት ጄኖሳይድ ትግራይ ተገይራ ተኸሲሳ ኣላ፡፡ “….ነቲ ሐዚ ዘሎ ተለኣኣኺ ዕሉል ፀረ-ህዝቢ ናብ ስልጣን ዘምፅአት ሃገር፣ ህዝቢ ትግራይ ከም ዘርኢ ንክጠፍእ ቀዲሳ ተለኣኣኽታ ሰዲዳ ኲናት ንዝወለዐት ሃገር ፕረዚደንት ከም መድሕኑ ምርኣይ የሕምም…”ይብል፡፡ ኣብዚ እውን ኣብ ልዕሊ ኣብ ልዕሌና ጄኖሳይድ ክፍፀም ተኽእሎ ፈጣሪ ኩነታት ምፍጣሩ፡ ኣብ መድረኽ ፍትሒ በደልና ብግልፂ ተነጊሩ፡ ፍርዲ ከይንረክብ፡ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ብምዕራባውያን ዝዝወር ምዃኑ እኳ ዝፍለጥ እንተኾነ፡ ካብ ምዕራባውያን ናይ ገንዘብ ይኹን ናይ ፍትሒ ድጋፍ ከይንረክብ ንባዕሎም ተኸሰስቲ ብምግባር እቱ ገበን ተደበስቢሱ ክተርፍ ዘይትካእ ሚና ዝፃወት ኣገላልፃ እዩ፡፡

እንትቕፅል ኣብዛ ሰነድ እንዳጉዳጉድ ገፅ-16 ድማ “ምዕራባውያን ደገፍቲ መሲሎም ክርኣዩ ዝደልዩ ዘለዉ ንምንታይ እዩ?” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ርእሲ “….ንምንታይ እዮም ምዕራባውያን ድሕሪ ኣዋርሕ ምፅናት ዘርኢ ኢሎምዎ?”….“ኣብ ጎንደር ንሶም ብዝሰበኹዎ ፅልኣት ተጋሩ ብብሄሮም ክቕተሉ ከለዉ ባይደን ምክትል ኔሩ፡፡…” ኣብዚ እውን ኣሜሪካ ወይ መንግስታት ኣሜሪካ ፅልኣት ተጋሩ ሰቢኾም ንመቕተልቲ ዳሪጎምና ዝብል እምነት ክትሓዝ ንምንታይ ከም ዝተደለየ ግልፂ ኣይኮነን፡፡ ኣሜሪካውያን ወይ ፕረዚዳንታቶም ፀረ-ዝኾነ ይኹን ህዝቢ ክኾኑ ኣይኽእሉን፡፡ ብኣሜሪካ ተደለይቲ ዝኾኑ ኣካላት ኣብ ዝህልዉሉ እዋን ግን ምናልባት ሰለባ ዝኾኑ ሲቪላት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፡፡ ናይ ገለ ዓድታት ብፍሉይ ዝርአ ኾይኑ፡፡ ኣብ ጎንደር ዘሎ ፅንፈኛ ኣምሓራይ ቐሊል ኾይኑ ድዩ ኣሜሪካ ተሓዊሳቶ? መግረሚ ትንተና እዩ፡፡

ክሲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ጠጠው ኣይበለን፡፡ ጨፍጫፍ ትግራይ “….ንምንታይ ሐዚ ጄኖሳይድ ኢሎምዎ?” ዝብል ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ “…ንኢሳያስ ከወግድዎ እንተደልዮም ሩሲያን ቻይናን ጣልቃ ክኣትዋ እየን፡፡…ኢሳያስ ዓሰብን ምፅዋዕን ንኢራን፣ ቻይና ወይ ሩሲያ ከየካርዮ ቅድሚኡ ክወድቕ ኣለዎ፡፡ ኣብዚ ኢሳያስ ሰራዊቱ ኣብ ትግራይ ይውዳእ ስለዘሎ ብህወሓት ተሳዒሩ ኣብ ኤርትራ ወያናይ ዴሞክራሲ ዝኽተል ስርዓት ከይትከል ወይ ክዓ ክትከል ኣሜሪካ ድሌት ስለዘይብላ ብናይ ትግራይ ጄኖሳይድ ሽም ንኢሳያስ ኸሲሳ ክተወግዶ ስለትደሊ እዩ…”ይብል፡፡

ኣብዚ እውን ሓደ ናይ ስነ-ምዕሩይነት ፀገም ይርኣየኒ፡፡ ኣሜሪካ ዋላ እውን ንባዕላ ክትብል ንኢሳያስ ተተውድቖ ንዓና ልዕሊ ኢሳያስ ክጎድአና ዝኽእል ኤርትራዊ ሃልዩ ድዩ? ብስሩ ኸ ገበን ጄኖሳይድ ትግራይ ተኸሳሲቱ ኣሜሪካ ብምግባር ዝዕወት ኸ ይመስለና ዶ? በዙ ቅዋምን ትንተናን እዚ፡ ኣሜሪካ መመሊሳ ህወሓትን ዓጃቢኡን ንምጥፋእ ብትወስዶም ስጉምታት ህዝብና ግዳይ ኣይገብሮን ዶ? ህወሓት ከም ውድብ ከ ከምዚ ዓይነት ምስ ኣሜሪካ ክንድዚ ዝኣክል ርሕቐት ዝኸይድ ብፀላእነት ምስላፍ ይጠቕሞ ዶ? ህወሓት ፀረ-ምዕራባውያን ኾይኑ ናይ ምስራሕ ዴሞክራሲያዊ መሰል እንተሃልዩዎ፤ ካልኦት ፖሊቲካውያን ትካላት ትግራይ ማሓዙት ኣሜሪካ ኾይነን ናይ ምስራሕ መሰል የብለንን ዶ? ስለዚ ፀረ-ኣሜሪካ ኾይንካ ብግልፂ እናሰራሕኻ ክንድየናይ ክትዕወት ከ ትኽእል? እዙ ኣካይዳን መትከልን እዚ ህወሓት ንባዕሉ ዘኽስም ጥራሕ ዘይኮነ ብሓገዝን ልቓሕን ረይረይ እናበለ፡ ሃላዋቱ ብፍቓድ ህወሓት ክውሰን ገይራ ዘፅንሐቶ ህዝብና እውን ንዝኸፍአ ሓደጋ ጥሜትን ሞትን ዝዳርግ ድንቁርና ዝተመልኦ ህልኽ’ዩ፡፡

 ካሊእ ቅዋም ሀውሓትን ክሲ ኣሜሪካን ኣብ ገፅ-16 ዘሎ “…ንሕና ፖሊሲ ነፃነትና ሓሊና፣ ለሚዕና ክንነብር ንደሊ፡፡ እዚ ድማ ፖሊሲ ምዕራባውያን ንስኹም ሙቱ ንሕና ክንነብር ስለዝብል ናይ ልምዓት ማሓዙትና ኣይንገብሮምን፡፡ ፈተና ፀላእና እታ ሓንቲ ናይ ልምዓት ማሓዛና ቻይና እያ…” ይብል፡፡ እቱ ኻሊእ ኣብዚ ዘሎ ነጥቢ “….ኣሜሪካ ትፃወቶ ዘላ ፀወታ……ምስ ሩሲያን ቻይናን ተፀጊዕና ድኽነት ከይነጥፍእ እዩ…” ይብል፡፡

መቼም ናይ ህወሓት ነገር መገረሚ እንድዩ፡፡ ንህወሓት ክትመውት ክደልዩ ይኽእሉ ይኾኑ፡፡ ንህዝቢ ትግራይ ግን ልዕሊ ምዕራባውያን ዝሓገዘ የለን፡፡ ቻይናን ሩሲያን ምናልባት ሓደ ልሓሙሽተ ዝብል መቐርቀሪ ህዝቢ ኣዋፂአን ክኾና ይኽእላ እየን፡፡ ነቱ ኣብ ጫፍ ድኽነት ዝነብር ዝነበረ ህዝብና ግን ብእኽልን ዘይትን ንህወሓትን ካድረታታን እኳ ንስርቂ ጠቒሙዎም፡፡ ሓንቲ ታኒካ እኽሊ ትኹን ዘይቲ ሂበን ዘይፈልጣ ሩሲያን ቻይናን፡ እንትምስገና ንሓደ ክልተ ዓመታት ዘይኮነስ ንነዊሕ ዓመታት ብእኽልን ናይ ምግቢ ዘይትን ተሸኪመናና ዝነበራ ሃገራት ንስኹም ሙቱ ንሕና ክንነብር ይብላ ማለት ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ህወሓትን በበይኑ ምዃኑ ዘመላኽት’ዩ፡፡ ብርግፅ እዚ ፈለማ መን ይድሓን ኣብ ዝብል እውን ኣብ ውሽጦም ኣፈላላይ ዝፈጠረ ስለዝኾነ፡ ብዙሕ ኣይክብለሉን፡፡

እቱ ኻሊእ ንሶም ሓሶት ፀለመ ክነዝሑ ዘይተሰከፉ ትግራዋይ ዝበልዖ ስርናይን ዘይትን በሊዐ ኢሉ ክምስክር ክስከፍ የብሉን፡፡ ሩሲያ ሓጊዘ ኢላ ጦሽ ተትብል ኣፅዋር ውግእ እያ ትሽይጥ፡፡ ኣፅዋር በሊዑ ዝነውሕ ቆልዓ የለን፡፡ ንምቅታል ባዕልና ኣይንንእሰሉን፡፡ እቱ ኻሊእ ኣባሃላ ድማ “ምስ ሩሲያን ቻይናን ተፀጊዕና ድኽነት ከይነጥፍእ” ዝብል’ዩ፡፡ ካሊእ ሰብ ናብ ኣሜሪካ አንትፅጋዕ ተለኣኣኺ ዝኸውን፤ ንሶም ምስ ኢራን፣ ሩሲያን ቻይናን እንትፅግዑ ቅድስና ዝኾነሉ መዐቀኒ እዩ፡፡ ንፅግዕተኛ ብኻሊእ ዝሐሸ ፅግዕተኛ ክትቅይር ዝግበር ስብከትን ሃለውለውን መደንፀዊ እዩ፡፡

ኣነ ከም ዝርድኣኒ ኣብ ትግራይ እንታይ ይብለንን ዝበለ ይበልን ሓቢረን ክነብራ ስለዘይክኣላ ተኮራዅሐን ዝፈጥረኦ ዘለዋ ኣፈላላይ እዩ፡፡ ዓይኑ ዓሚቱን ኣንቍሑን፡ ምብላዕን ምስታይን ጥራሕ ዝርኣዮ፤ ክበልዕን ክሰትን ሕልፍ እንተይሉ ድማ ክጣቐዐሉ ዝደሊ ሓይሊ ዝተረገፀ እግሪ ይረገፅ፡ ዝተጎነፀ ሽማግለ ይላጋዕ፡ እትንከራተት ኣዶ ብኣፍ ልባ ትደፋእ፡ ክበልዕን ክእዝዝን’የ፡ እዙ መትከሉ ትማሊ ኣዜብ መስፍን ካብ ትእምት ንምብራር ኣቲያ ወፂኣ ሆይ ሆይ ተባሂሉ፡፡ ምዕራብ ትግራይ ክረኽቦ ክንዲ ዝግብኦ ክብርን ሚዲያ ሽፋንን ከይረኸበ ፀኒሑ፡፡ ደቂ ወልቃይት እውን ኣብ ዓዶም ክሳቐቑ ተገይሩ፡፡ ወልቃይት ተወጢጥና ንምውራድ ኣብ ዘይንረኽባ ተሰቒላ፡፡ ህዝብና ተሳቕዩ፡፡ ዘይዓግብ ሸውሃት ሎሚ እውን ኣብ ሞንጎ ትግራይ ናይ በይንና እያ፡፡ በፍፁም ትግራይ ናይ ኩልና እያ ኣብ ዝብሉ ክልተ ኣጀንዳ ተመቒላ ደቡብ ማእኸልን ምብራቕን ዞባታት መሰረቱ ዝገበረ ምንቅስቓስ መናእሰይ ናብ ዘይተርፍ ለውጢ ከምርሕ ጀሚሩ፡፡ እዙ ለውጢ እዚ እንተተቐልቢሱ ኩርንኩሪት ተኣሲሩ ክነብር ዝደሊ ሓይሊ ይህሉ ዶ ብዝተፈላለዩ ሕቶታት ትግራይ ነናብ ዝቐርባ ትብተን ብዓል ንብላዕ እዙ መትከሎም ዘእትዎም የለን፡፡

እቱ ኻሊእ መሪፃ ትሕርጎት ምዕራባውያን ናይ ልምዓት ማሓዙትና ክኾኑ ኣይኽእሉን! ዝብል ኣባሃላ እዩ፡፡ ኢራን፣ ሩሲያን ቻይናን ከ ምሕዝነት ህወሓት ንምንታይ ይደልየኦ? ምብራቕ ኣፍሪካ ንክሕምስን ኣካል ሓማስ፣ ሑቲ፣ ሂዝቦላህን ኮይኑ ብምትኹታኽ ተኹሲ ማእኸላት ዕግርግር ብምብዛሕ እኩብ ተኹሲ ኢድ ምዕራባውያን ንክብተን ዶስ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ሰላምን ራህዋን ሃልዩዎም ክለምዑ? ብሱሩ ኸ ትግራይ ብዘይ ኢትዮጵያ ማሓዛ ክገብሩዋ ይደልዩ ድዮም? ህወሓት ኸ ንምሕዝነት ኢራን፣ ቻይናን ሩሲያን ተመራፂ ውድብ ድዩ? ንምንታይ ድኣ ይቃወመኦ ነይረን? ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት መልሲ የብሎምን፡፡

ኢራን እስላማዊ ምንቅስቓስ ዘለወን ሃገራትን ውድባትን እያ ትድግፍ፡፡ ህወሓት ምስ ኢራን እንትዓርኽ እስላማዊ ኾይኑ ድዩ ወይ ኣኽሱማዊ ኾኑ? ከም ዝፍለጥ ስልጣነ ኣኽሱም እናተዳኸመ መፂኡ መወዳእታ ካብ ምዕራብ ዓረቢያ ዝብሃል ናይ ሎሚ የመን ዝተወገደ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ፐርሺያዊ ንጉስ እዩ፡፡ ስለዚ ብታሪኽ እውን ናይ ስልጣነታት ንሕንሕ እምበር እዚ ኢልካ ዝቐርብ ሰናይ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣይነበረናን፡፡ በቲ ሎሚ ዘሎ ናይ ኢራን ስትራቴጂካዊ ኣንፈት እውን ኢራን ደጋፊት ምንቅስቓስ እስላማዊ መንግስታት ኮይና ህወሓት ፀረ- ምንቅስቓስ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኾይኑ ዝፀንሐ ውድብ’ዩ፡፡ ኣልሸባብ ሓደ ኣካል እስላማዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ፡ ህወሓት ድማ ፀረ-እዙ ውድብ እዚ ነይራ፡፡ ስለዚ ትመርፀን ዘላ ሃገራት ከ ይመርፅኣ ዶ? ካሊእ እዩ፡፡ ብሱሩ እውን ብሽም ኣልሻባብ መላእ ሙስሊም ዝሳቐቐሉ ስርዓት ዝፈጠረትሉ ኩነታት ምንባሩ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን፡፡ “የሙስሊም ችግር መፍትሔ ኣፈላላጊዎች” ዝብሃሉ ኣብይ ክሳብ ስልጣን ዝሕዝ ሓሳረ መከረኦም እናረኣዩ ምፅንሖም ምስትዋስ የድሊ፡፡

እቱ ኻሊእ ምስ ሩሲያ ዘሎ ርክብ እዩ፡፡ ሩሲያ ንባዕላ ኣብ ውግእ ዩክሬን እኩብ ተኹሲ ምዕራባውያን ረይረይ ኣቢሉዋ፡ ድሕሪ ስዕረት ሩሲያ ምዕራባውያን ናባና እየን ዝብላ ሃገራት ሰሜን ኮሪያ፣ ኢራንን ቻይናን ተዘይሕግዝኣ፡ ቐለልቲ ሮኬታት ወዲኣ ዳርጋ ደው ዝበለትሉ ኩነታት ተፈጢሩ ነይሩ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ናይ ባዕላ ሎድ ተሸኪማ ንትግራይ ኣብ ዳግመ ህንፀት ሓጊዛ ኣብዚኣ ክተብፅሓ ትኽእልያ ዝብል ቅድመ ግምት ምቕማጥ ኣይክኣልን፡፡ ተትኽእል ከ እቱ ድሌት ኣለዋ ዶ ዝብል ምሕሳብ የድሊ፡፡

ሩሲያ ክሳብ መወዳእታ ምስኣ ጠጠው ንዘይብላ ውድባት ይኹና ሃገራት ኣይትሕግዝን፡፡ ፀረ-ደርግን ሶቬት ሕብረትን እናበለ ዝመፀ ውድብ፡ ድሕሪ ዓወት እውን እንትኾነ ኣብ ሞንጎ ሞስኮን ኣዲስ ኣበባን፣ ኢህወዴግን ሩሲያን፣ ወይ ፑቲንን መለስን እዚ ዝብሃል ምድግጋፍ ነይሩ ዝብል ንፍርዲ ኣይትርትዑና ክቐርብ ወይ በቲ ልሙድ ሓሶት ክቐርብ ተዘይኮኑ ዝጭበጥ ርክብ ኣይነበረን፡፡

ምስ ቻይና ዘሎ ርክብ እውን እንትኾነ ኣብ ግዝኣታት ቻይና ናይ ነፃነት ሕቶ ዘለወን ሃገራት ኣለዋ፡፡ በቲ ህወሓት ዝወሰደቶ መብረቓዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ምክልኻል ሃገር ቻይና ሕጉስቲ ኣይኮነትን፡፡ ሓዱሽ ቅዲ ጉዕዞ ናፅነት ኮይኑ ኣብ ሞንጎ ነፃነት ዝሓታ ግዝኣታትን ማእኸል ቻይናን ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ምትፍናን ምፍርራሕን ዝፈጥር መንገዲ እዩ፡፡ ስለዚ ህወሓት ዳግመ ህይወት ዘሪኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ ማእኸላይ መንግስቲ ኾይኑ፡ ኢትዮጵያ ሒዙላ ናይ ምቕራቡ ነገር ርግፀኛ ኣብ ዘይትኾነሉ ቁማር ክትቋመር ኣይትደልን፡፡ ስለዚ ህወሓት ቻይና ማሓዛይ ትበል እምበር ቻይና መልሳ ኣውንታዊ ይኸውን ዶ ዝብል ግን ኣብ ሕቶ ይወድቕ፡፡

ካሊእ ኣሜሪካ ትገብሮም ነገራት ኩሎም ብዓይኒ ህወሓት ንሽርሒ እንድዮም፡፡ ”…ኣሜሪካ ሓይልታት ፀጥታ ኣምሓራን፣ ሰራዊት ኤርትራን ይውፅኡ!“ ዝበለት “…መሬት ትግራይ ኣምሊሰልኩም ኢየ፤ ካብ ዶብኩም ወስ ቀስ ከይትብሉ ብምባል ኣብ ዶብና ተሓፂርና ተገሊልና ክንነብር ስለትደሊ እዩ…” ይብል (ገፅ-17)፡፡ ካብ ግዝኣት ትግራይ ኣምሓራን ኤርትራን ኣውፂኣ ኣብ ግዝኣትና ክንነብርን ህዝብና ናብ መረበቱ ተመሊሱን ሽርሒ እንተነይሩ፡ መሬትና ኣብ ኢድ ኣምሓራን ኤርትራን እናሃለወን ህዝብና ናብ መረበቱ ከይተመልሰን ዕጥቅኹም ፍትሑ እንተበለትኩም ኸ ናበይ ከየድቲ ኾይንኹም እዩ? ዝብል ሕቶ ግን መላሲ የብሉን፡፡ እስኪ ኣብዚ ሩሲያን ቻይናን ጣልቃ ኣትየን የሪኣና! ናይ መንከራና ምብዛሕ እምበር ከምዚ ዝበለ ፖሊቲካዊ ትንታነ ዘቕርብ ዶ ትግራይ መመርሐ፡፡

“…..ናይ ሻዕቢያ ሰራዊት ክነውፅእ ኢሎም ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሰራዊት ወይ  ናይ ኔቶ ሰራዊት ከየእተዉ ጉዳይና ብውግእ ምውዳእ፤ ካርታና ንድሕሪት መሊስና ብምትዕርራይ ናብ ጁቡቲ ክበፅሕን፡ ኣብ ዓፋር ዘሎ መሬትና ፖታሽ ማኣድን ሒዙ ክመፅእ ብምግባር ምምላስን ክሳብ ሶማሌ ክልል ከይድና ሃፍቲ ተፈጥሮ ጋዝና ክንጥቀም ንዓና ዝመስል መንግስቲ ምትካል፣ ብኣምሓራ ክልል እቱ ዝዋሰነና ናይ ጎንደር ከባቢ ብቅማንት ክትሓዝ ብምግባር፡ ብቤንሻንጉል ጉሙዝ ናብ ግድብ ኣባይ መሕለፊ ኮሪደር ፈጢርና ዓለምለኸ ሓያልነትናን ናይ ተደራዳራይነት ዓቕምናን ምዕባይ የድሊ፡፡ እዚ ዓለምለኸ ሓያልነት ዝረጋገፀ ድማ ብልምዓታዊ መንግስቲ ፕሮገራም እዩ፡፡…”

ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓሳብ ብዙሓት ዋኒናት ንረክብ፡፡ ሓደ መሬት በውድብ ሕቡራት መንግስታት ይኹን በኔቶ ዕሸላት መናእሰያትና ከይከፈልና ተዝምለሰልና መን ’ሞ የወዓዕለካ? ንኽንደይ ቁምነገር ዝበቕዑ ራእሳናት ደቂ ትግራይ ፈሲሶም ተሪፎም፡፡ እቱ ኻሊእ ዝገርም ግን ንሰራዊት ኔቶ ዘልዕሉሉ ኣገባብ’ዩ፡፡ እንታይ እዩ ክንድዚ ንነብስኻ ኣገንጊንካ ምርኣይ? ሰራዊት ኔቶ ዝተጣየሸ ምዕራባውያን ሉኣላዊ ግዝኣተን ዝዳፈር እንተመፅዩ “….ሓንቲ ኣባል ሃገር እንትትድፈር ኩለን ከምዝተደፈራ ይቑፀር….” ዝብል’ዩ፡፡ ስለዚ ሓቢረን ይቕጥቅጠኦ ማለት’ዩ፡፡ ኣየንኣ ኣባል ሰሜናዊ ቃል-ኪዳን እያ ተደፊራ ሰራዊት ኔቶ ናብ ትግራይ ወይ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ?

ብኻሊእ መልክዑ፡ እቱ ጉዳይ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ፡፡ ብህይወት ከይንነብር ስለዝተፈርደልና ዝኣተናዮ ውግእ እዩ እናበልካ፤ ብኻሊእ መልክዑ ድማ ፖታሽ ማዓድንን ወደብ ጅቡቲ ንምርካብን ምስ ዓፋር ክትዋጋእ፣ ናይ ተፈጥሮ ጋዝ ንምርካብ ኣብ ክልል ሶማሌ መንግስቲ ክትቅይርን ንዓኻ ዝመስል ክትተክልን ክትዋጋእ፡ ብፖሊሲን ስትራቴጂካዊ ኣንፈትን ምሓዝ፡ ኢሉ እውን ብፅሑፍ ኣብ ኣደባባይ ምስጣሕ ወራርን ናይ ኢትዮጵያ ናይ ህልውና ስግኣትን ክትብሃል ቅቡል ይገብሮ፡፡ ብስንፍናኻ ኣብ ዘመነ ስልጣንካ ዘግዘምካዮም መሬት ትግራይ ብታሪኽ እውን ዘይምልከተካ መሬት ክተምፅእ ሎሚ ብመልክዕ ወራር ካብ ክልተ ሰለስተ ክልላት መሬት ክተምልስ ውግእ ምእዋጅ፡ እሞ ድማ ኣብ ከይዲ ውግእ ስዓራይነትካ ዘይተርፍ ኮይኑስ ሰላም ኣኽባሪ ከይኣትወና ቶሎ ንወድኣዮ! ዝገርም’ዩ፡፡

እቱ ግድብ ኣባይ፣ እቱ ፖታሽ ማዓድን ዓፋር፣ እቱ ናይ ዓፋር ምስ ጅቡቲ መራኸቢ፣ እቱ ሃፍቲ ተፈጥሮ ጋዝ ሶማሌ ንኻልኦት ኢትዮጵያውያን ዘይምልከት ድዩ ኾይኑ፡ ኢዶምን እግሮምን ኣሳሲሮም ክትወስድ ክፅበዩኻ? እሞ ድማ ርኢናያ 360 ድግሪ ተኸቢብና 72 ማዓልታት ብዘይ ቅያርን ብዘይዕርፍትን ክንዋጋእ ገይሮምና፡፡ እዚ ህወሓት ንባዕሉ ብዘለዎ ግጉይ ንባብ መሬት ኩለን ክልላት ክሰፍን ክቐድድን ከም ዝኽእል ገይሩ ብዝበተኖ ፅሑፍ ህዝብና ኣብ ዘይዛሪ ዑደት ዅናትን፡ ዘይዛሪ ሓሳረ መንከራን ኣእትዩዎ እዩ፡፡ ብቐፃልነት እውን ከምዚ ኢልካ ዝመፅእ ለውጥን ምዕባለን ስለዘይህሉ ጎረባብትኻ ኣኽቢርካ ሒዝካ ቁስሎም እናሓኸኽካ ባዕሎም ከከባቢኦም ሒዞም ክመፁ ብምግባር ሓባራዊ ረብሓኻ ተረጋግፅ እምበር ኣብ ኢድካ ብዘይርከብ ሓይሊ ብትዕቢት ምፍካር ውፅኢቱ እቱ ዝርኣናዮ መከራ እዩ፡፡

ህወሓት ካብ ምብራቕ ኣፍሪካ ተፈልዩ ድሴት ወያናይ ዴሞክራሲ ኾይኑ ንምቕፃል ኣብ ዝገብሮ ተንከርከር፡ ፖሊቲካዊ፣ ወታደራውን ኢኮኖሚያውን ጅፍዒት ምዕራባውያን ከመይ ጠጠው ከብሎ ከምዝኽእል ንምምዛን ዝተሸገረ፡ ብመጫኾር ኣልሚዑ ዝረኽበን እቶታት ንኻድረታቱ ቀለብ እውን ኣይኣኽለኦን፡፡ ተመላሲ ጥቕሚ ዘየምፅእ መንግስቲ ኢንቨስት ዝገብራሉ ዓድታት፣ መንግስታት፣ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ወፃኢ ኣይህልዉን፡፡ ግን ድማ ነዚ ምፍላጥ ኣብዩዎስ ብመርገፅን ብተግባርን ምስ ምዕራባውያን ይተዃቶኽ ኣሎ፡፡ ምዕራባውያን ዝደገፈአን ሃገራት እስራኤል፣ ስሎቪንያ፣ ላቲቢያ፣ ሉቷንያ፣ ኢስቶንያ ወዘተ ብውሑድ ህዝቢ ዝማዕለ ቁጠባ ሃኒፀን፡፡ ህወሓት ንባዕሉ ብዘለዎ ዝንቡዕ ንባብ ህዝብና ግዳይ ካብ ምግባር ሓሊፉ ዘምፅኦ ለውጢ ኣይክህሉን፡፡

ዩ.ኤስ.ኤይድን ዝመርሖም ትካላትን እውን ከም መጠን ኣሜሪካውያን ትካላት ኣብ መዝገብ ክሲ ህወሓት ተዘርዚሮም ኣለዉ፡፡ እዙ ምግባረ ሰናይ ትካል ብፍሉይ ዝተወንጀለሉ ኣገባብ እምበር፡ ዓለምለኸ ልምድን ተሞኩሮን ዝነግረና ኩለን ሃገራት ብሓገዝ ይኹን ምኽባር ሰላም ዝልእኸኦም ትካላት ኣካላት ስለላን ድሕንነትን ምዃኖም ዘይክሓድ እዩ፡፡ ኣብዚ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ዩ.ኤስ.ኤይድን ንኡሳን ትካላቱን ዝኽሰሰሎም ዘሎ “…ዕልዋ መንግስቲ ንምክያድ ዕግርግር ዝመርሑ ብምስልጣን፣ ንመንግስታት መገልበጢ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ሓቲምካ ብምሃብ፣ ብሽም ረድኤት ናውቲ ኣፅዋር ብምእታውን ካልኦት ብሕጊ ዝተኸልከሉ መርዛም ጋዛት ብምእታውን ንተዋጋእቲ ብምሃብን፣ ስነ-ህይወታዊ ውግእ ወይ ክዓ ባዮሎጂካል ኲናት ዘካይደሎም መድሓኒታትን ክትባትን ብምእታው ወዘተ” ይኽሰስ፡፡

ህወሓት እዚኦም ኩሎም ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ከም ዝገብሮም እንትኸስስ፡ ፈለማ ከመይ ገይሩ ፈሊጡዎም? ካልኣይ ካልኦት ዓድታት ንዘይደልይኦም መንግስታት ከወግዳ ኸ ኣይጥቀማሉን እንዶ? ሳልሳይ ብሽም ረድኤትን ክትባትን ህዝቢ ምውዳእ ዝብል ብመረዳእታ ክድገፍ ይኽእል ዶ? እዚ እንድሕር ኮይኑ ህዝቢ ትግራይ ድኣ ንምንታይ እዮም 30 ዓመታት ሙሉእ ካብ ሓገዝ ከይላቐቕ ከላምዱዎ ፀኒሖም፡ ብምግቢ ብዝውሃብ መርዛመርዚ ዶ ኣይጉድኣን’ዩ? ሓገዝ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ብዘይልሙድ ኣብ ሕሉፍ ዓመት 2016 ድርቂ ነይሩ ግን ድማ ናብ ትግራይ ዝገብሮ ደገፍ ጠጠው ምባሉ ናይዚ ውፅኢት ዶ ይኸውን?

እቶም ክስታት ብጣዕሚ ብዙሓትን ውስብስባትን እዮም፡፡ ስለዚ በዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ክስታት ዝተፀለመ ትካል ወይ ሃገር ወይ ውልቀ ሰብ ክንደይ ከም ዝስምዖ ፍሉጥ’ዩ፡፡ ስለዚ እንታይ መኽሰብ ከምፅልና ይኸውን እዚ ኹሉ ክሲ ኣብ ልዕሊ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ተለምጢጡ ዘሎ፡፡ ብዝኾነ እታ ጫሕበርበር እትብል፡ ባህሊ ገምጋም ሓሶት ዝወለደቶ እምበር፡ ፅባሕ ተመሊስካ ንእትልምኖ ትካል፡ ክንድዚ ሽም ምጥፋእ ፍትሓዊ ኣይኮነን፡፡ ኣሜሪካ ሃቡና ኢልካ እምበር ኣለኒ ውሰድ ኢላ ኣይትመፀካን፡፡ ስለዚ እቱ ኣብ ቐልቅል ድኽት ዝነብር ህዝብና ማሓዛ ክስእን ምግባር ኣይንኣድን፡፡

ዩ.ኤስ.ኤይድ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝብል ዓንቀፅ “80 ሚኢታዊ ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ኣይረኸበን ይብሉ ኣለዉ” ይብል፡፡ ካብዚ ቀፂሉ “እቱ 20 ሚኢታዊ ኸ ረኺቡ ዶ?” ይብል፡፡ ዳርት ዝብሃል ዕጡቕ ሓይሊ ኣሜሪካ እውን ናይዙ ክሲ ኣካል ኾይኑ፡ ተለኣኣኺኦም ከይንድምስሰሎም ባዕሎም ከጥፍኡና ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ዝብል ቀሪቡ ኣሎ፡፡ ሓንቲ ነገር ግን ዘይተጣለለት ሓበሬታ ነይራ፡፡ ኣብ እዋን ዕፅዋን ክባንሲ መምህራን ደሞዝ ክንከፍል ምዝገባ፣ ምምሃርን ምስትምሃርን ይጀመር ዝብል ትካል ረድኤት ሓቲቱ ሲ፤ ብዓልና መሃያ ክንከፍል እቱ በጀት ናብ ኢድና ሃበና ኢሎምዎ፡፡ እቱ ትካል ድማ ካሊእ ናይ ረድኤት ናውቲ እናባኸንኩምሲ ጥረ ገንዘብ እቱ ብጣዕሚ ንብክነትን ስርቅን ተቓላዓይ ሃፍቲ ከመይ ንዓኹም ይህበኩም? ከም ዝበሎም ዘይተረጋገፀ ሓበሬታ ነይሩ፡፡

ብርግፅ እቱ መምህር ካብ ኢድ እንተወፂኡ ብዙሕ ገዛ ክትንክፍ’ዩ፡፡ ፖሊቲካዊ ተነፅሎ ክበፅሖም እውን ክሰርሕ ይኽእል’ዩ፡፡ ስለዚ ሓቅነት እውን ክህልዎ ይኽእልዩ ዝብል ናይ ገለ ወገናት ርእይቶ ንሰምዕ፡፡

ንትግራይ መፍትሒ ድዩ? ዝብል ሕቶ ኣልዒላ መልሲ ኣብ ዘቕረበትሉ ናይ ሓሳብ ፍሰት፡ ኣብ ገፅ-20 “…ዅናት ክህሉ ዝገብር ቅርፀ መሬት ዘይኮነስ ስርዓት’ዩ” እንትቕፅል “ሓድነት ዘምፅእ ኮነ ዝበታትን ስርዓት እምበር ገፊሕ ወይ ፀቢብ ቅርፀ መሬት ኣይኮነን፡፡ ኣብ ሃገርና ዘጋጠሙ ሽግራት እውን ናይ ስርዓታት ውፅኢት እዮም” እዚ ሓፈሻዊ ሓቂ እዩ፡፡ ካብዚ ቅፅል ኣቢሉ ግን ናይዚ ተፃራሪ ሓሳብ የቕርብ፡፡ “ፀላእትና ናይ ኩሉ ግዜ ሕልሞም ትግራይ ዘይብላ ኢትዮጵያ ምርኣይ እዩ” ይብል፡፡ እሞ ድሌት ፀላእትና እዚ እንተኾይኑ ትግራይ፣ ትግራዋይን ትግራዋይነትን ምስ ዝፀልእ ሃገርን ህዝብን ሓቢርካ ምንባር እኮ እዩ እቱ ዓገብ፡፡

ሓደ ኣሜሪካ ሓደ ሕንግርጢጥ ውድብ ፀሊኣ ኣላ ማለት ህዝቢ ትግራይ ፀሊኣ ኣላ ማለት ኣይኮነን፡፡ እቱ ውድብ እውን ባዕሉ ብኣጉል ይፈልጥየ ዝፈጥሮም ዘሎ ፍሕጠራ ነገር እምበር ኣሜሪካ አብ ቁፅሪ ተእትዎ ውድብ ኣይነበረን፡፡ ክብሃል ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ኣብ ወፍሪ ፀለመ ኣሜሪካ ስለዝተፀመደ ሓይላ እንተርኣየቶ እውን ስለዘይኸፍእ እዩ፡፡ እግረ መንገዳ ትድርፅፆ ዘላ፡፡ ልክዑ እንተዘይፈሊጡ፡ ገና ንህዝብና ለኪሙ ክህሰ እዩ ድማ፡፡ ምኽንያቱ ኣሜሪካ ልእለ ሓያል እየ ኢላ እትኣምን ሃገር፤ ኣደዳ ፋሕጠርጠር ብሃልቲ ክገብራ ኣይትፈቕደሉን፡፡ እቱ ህወሓት የዕርዩ ዝዝንግዖ ዘሎ ግን ህወሓት ምስ ቻይና ናይ ምውጋን መሰል ከም ዘለዎ ኹሉ ካሊእ ውድብ ወይ ሰብ ምስ ምዕራባውያን ናይ ምውጋን መሰል ከም ዘለዎ ዘይምርድኡ እዩ፡፡

ደርጊ 17 ዓመት ሩሲያ ኢሉ፡፡ ሓሞኽሸቲ ኣሕፊቛቶ ተሪፋ፡፡ ህወሓት ንዝተወሰኑ ዓመታት ከይዱ፡ ኣብ ከይዱ ግን ምዕራባውያን ከየኹርፉ እናገበረ ምስ ሓዞም ሓጊዞምዎ፡፡ ውሱን ልምዓት ኣመፂኡ፡፡ ሎሚ ተመሊሱ ህወሓት ናብ ደንበ ኮሚኒስት እንትኣትዩ ኣፅዋር ክሕገዝ ይኽእል’ዩ፡፡ ልምዓት፣ ሰላምን ዴሞክራሲያውነትን ኩዒቱ ክቐብረን’ዩ፡፡ ቐደሙ እውን ኣይክንደይ እዙ ንሱ፡ ኣብ ዴሞክራሲ ዘይጥቁው መንገዱ ጠቕሊሉ ናብ ቻይናን ሩሲያን እንትፅጋዕ ዕሉል ዲክታተር ክኸውን’ዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኾይኑ ኸ መንግስቲ ሒዙ ድዩ ሰናይ ኾይኑ፡ ካብ መንግስትነት ምስ ለቐቐ እዩ ጥቅው ኮይኑ?

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ኾይኑ እውን ዓዲ ዓረብ እዩ ናብርኡ፡፡ ካብ ኢትዮጵያ ተዝወፅእ እውን ከምኡ እዩ፡፡ ምናልባት ዕድል ተገይሩ ሓይልን ዲፕሎማትን መንግስቲ ኣብ ትግራይ እንተተፈጢሩ ዘላቒ ናብራ ህዝቢ ትግራይ ክማሓየሽ ይኽእል’ዩ፡፡ እዚ ማለት እቶም ከይትቐርቡና ዝብሉ ኣፅግዑና ዝብሉሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል’ዩ፡፡ እዚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ትግራይን ተጋሩን ተበሃግቲ ይኾኑ፡፡ እቶም ንዓና ዝደፍኡና ኣካላት ደፊእና ክንፀሉ ንግበሮም ዝብል ናይ ብዙሓት ተጋሩ ሓሳብ ነይሩ፡፡ እዚ ድማ በቢእዋኑ ሕቶ ብዘቕርቡ ዝነበሩ ከባብታት ክልልነቶም መሊስካ ዝረጋገፅ ነይሩ፡፡ ግን ድማ ኣይተገበረን፡፡ ዘይተተግበረ ድማ ህዝብና ክንጭቁን ህዝብኹም ጨቁኑ ዝብል መሳርሒ ተዘርጊሑ ነይሩ፡፡ ገለ ከባብታት ህዝቦም ምጭቋን ገዲፎም ፀረ-ጨቆንቲ ተጋሩ ወፊሮም እቱ ፎርሙላ ተገልቢጡ፡፡ ኣሜሪካ ኣብ ከባቢና ኔቶ ከይተፈጥረልና ዝብል ስግኣት ብውሱን ምምሕያሽ ቅቡልነት ኣለዎ፡፡ ግን ድማ ምስ ኣምሓራን ኤርትራን ዘይኮነ ምስ ኣሜሪካን ምዕራባውያንን እውን እዩ ሰላም ዘድሊ፡፡

ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ብሰላም ትነብር እምበር ኣብ ህንፀት ልምዓት፣ ሰላምን ዴሞክራስን ኢትዮጵያ ኣብዚ እቶ ዝብሃል ሚና የብላን፡፡ ህውከት ዘይምፍጣራ ግን ዝምሰገን’ዩ፡፡ ለውጢ ብውሽጣዊ ዓቕምኻ እምበር ብኸባቢያዊ ስኽታ ዝህነፅ ኣይኮነን፡፡ ምስ ኣሜሪካን ምዕራባውያንን ሰላምን ምሕዝነትን ምፍጣር ብኸመይ ጎዳኢ ከም ዝኾነ ካብ ሎጂክ ወፃኢ ክስኣላ ንምንታይ ከም ዝድለ ግልፂ ኣይኮነን፡፡ ኣብ እዋን ኲናት ሃገራት ብናይ ባዕለን ሽጣራ ይኣትዋ፡ ብናይ ባዕለን ሽጣራ ይወፃ፡፡ ኣሜሪካን ምዕራባውያንን እውን ከምኡ፡፡ እቱ ናይ ሎሚ ማሓዛ ህወሓት ኣብ እዋን ደርግ ንደርግ ትድግፍ ነይራ፡፡ ወረ ኣብዙ ናይ ሎሚ እውን ንኣብይ እያ ትድግፍ ነይራ፡፡

ክሲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ እንትቕፅል “ኣሜሪካን ዴሞክራስን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ እዞም ደናቑር ኣሜሪካውያን ኣምር ዴሞክራሲን ዕሙቀት ትርጉሙን ብዝግባእ ስለዘይፈልጡዎ እዮም ዴሞክራሲያውያን ኢና ዝብሉ እዙ ዓይነቱ ሓሳብ ንረክብ፡፡ “ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ዴሞክራሲ ናይ ብዙሓት ኩለ መዳይ ተጠቃምነት ኣየረጋግፅን፡፡” ንኣብነት “ኣብ ሞንጎ ዴሞክራትን ሪፐብሊካንን ናይ ፖሊሲ ኣፈላላይ የለን፡፡ ናይ ማሕበራዊ መሰረት ኣፈላላይ እውን የለን፡፡ ክልቲኦም ንዉሑዳት ኣሜሪካውያን ጠጠው ዝበሉ እዮም” ይብል፡፡

ሓደ ምድረ ኣሜሪካ ንዜጋታቶም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኣሜሪካ ኣትዩ ዓቕሚ ረኺቡ ንዝወዳደር ኩሉ መሰል ኣለዎ፡፡ ካሊእ ኣሜሪካውያን ንህዝቢ ዘይጠቅም መንግስቲ ከቕፅሉ ዝኽእሉሉ ኣገባብ ብመረዳእታ ዝሕገዝ ኣይኮነን፡፡ እቱ ናይ ፖሊሲ ኣፈላላይ የብሎምን ዝብል እውን እንተኾነ፡ ህዝቦም ፈታውን ፀላእን ኢሎም ኣይምድቡን እምበር ናይ ባዕሎም ዝፈላለዩሉ ኣማራፂ ኣለዎም፡፡ ኣብ ናይ ወፃኢ ጉዳያት ፖሊሲኦምን መንግስታዊ ዘላቕነቶምን ኣፈላላይ ኣይህልዎምን፡፡

ህዝብታት ብማሕበራዊ መሰረቶም መዲብካ ወገንን ፀላእን ምባል ንምንታይ ኣድለየ? ብርግፅ ግን ህወሓት እውን እንተኾነ ኣፍቲ ብዙሕ ሰብ ዝዋሰአሉ ድራማ መረፅኦም ኣብዝሓ ኢድ ዘለዎ ብተፈጥሩኡ እቱ ታሕተዋይ ፀፍሒ ማሕበረሰብ ስለዝኾነ፡ ናይ ምጭብርባር ስትራቴጂ ንምኽታል እምበር፡ ብተግባር ወገነይ፣ ስርዓትና ከይንቕነቕ ንሃፍተ ገነቱ ክብል መንግስታዊ ምርግጋዕ ክህሉ ዝቃለስ ሃፍታም’ዩ፡ ካብ ዝብል ድሕሪ 1993 መቓልስትና “በተኽ ወይ ክዓ ድኻ” ዘይኮነ “ሃፍታም ወይ ክዓ ሞዴል እዩ!” ብዝብል ተነፂሩ ዝሓደረ እዩ፡፡

ስለዚ ነቱ ስርዓት ዝመርሑ ወሰንቲ ኣካላት እውን እንተርኢና፡ መንግስታዊ ግልጋሎት ተጠቒሞም ንክህፍትሙ፡ ኣብ ፅሩይ ቢሮክራሲያዊ ርእሰ ማልነት (ብጉቦ ምህፍታም) ጠጠው ዝበሉ እዮም፡፡ ኣብዚ ግን ያለመግባባታችን ምክንያት እትብል መፅሓፍ ሕታም 2012ዓ/ም ምርኣይ ይክኣል’ዩ፡፡ መንግስታዊ ኣመራርሓ ህወሓት እቱ ባዕሎም ዝሰርቁዎ ዝነበሩ እናተረኣዮም ሎሚ ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ዘሎ ኣመራርሓ ብጥርጠራን ቅንእን ዒሕ በጠቕ የብሎም ኣሎ፡፡

ቢሮክራሲያዊ ርእሰ ማልነት ኣብ ሞንጎ ህዝብን መንግስትን ዝተገበረ ውዕሊ ኣነ ግብሪ ክኸፍል (ህዝቢ) መንግስቲ ድማ ሰብ ቖፂርካ ግልጋሎት ሃበኒ ዝብል ስምምዕነት ብምጥሓስ ነቱ ግብሪ ከፋላይ ግልጋሎት ኣብ ዝሓተሉ እዋን ዳግመ ግብሪ (ጉቦ) ክኸፍል ይሕተት፡፡ በዚ ዝተነድቀ ስርዓት ታሕተዋይ ፀፍሒ ማሕበረሰብ ብጉቦ ሰንሰን ኣቢሉ፡ ናይ ምዕባይ ተኽእሉኡ ብሞራላዊ ዝዕገት ብምድኻም ክውህለል ዝኽእል ገንዘብ ስለዘይህሉ፡ እቱ ስርዓት ናይ ግብሪ ከፋላይ መሰረቱ እናፀበበ፣ ሃገራዊ መፍረያይነቱ እናደቐቐ፣ ዓለምለኸ ፅዕንቶታት እንትመፁ ሕምሽኽሽኹ ዝወፅእ ኢኮኖሚ ይህልዎ፡፡

ኣብዚ ሓደ እቱ ብግብሪ መልክዕ ተኣኪቡ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ክሰርሕ ዝኽእል ዝነበረ ገንዘብ፣ እቶም ግብሪ ኣከብቲ ብምድርዳር ግብሪ ክቕንሰልካ ክንድዚ ንዓይ ሃበኒ ብዝብል ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተበቲኑ ትርጉም ዘለዎ ኾይኑ ከይሰርሕ ይገብሮ፡፡ ዘይተኣከበ ገንዘብን ዘይተወደበ ህዝብን ዋጋ የብሉን፡፡ ካልኣይ ሎሚ ሓላፍን ሰራሕተኛን ሓቢሮም እንተሰሪቖም፡ ፅባሕ ሰራሕተኛ ሰሪቑ እንተዘይ ኣሕሊፉ በይኑ ይበልዕ ይህሉ እምበር ስለዘይሰረቐ ኣይኮነን ስለዝብል፤ ዘይግለፅ ዝመረረ ምትሕንናቕ እዩ ዝፍጠር፡፡ ሳልሳይ ብኸምዚ ደርባዊ ደረጅኦም ኣብ ሉዑል መነባብሮ ዝተሰቕለ ሓለፍቲ ቓንዛ መነባብሮ ታሕተዋይ ፀፍሒ ሕብረተሰብ ጣዕሙ ኣይፈልጡዎን፡፡ እቱ ዘይምርድዳእ እናሰፍሐ ይኸይድ፡፡ እቱ ኢኮኖሚ እውን ኣብ ዓለም ይትረፍ ኣብ ዓድ ውሽጢ እውን መብዛሕትኦም ፋብሪካታት ጥረ ኣቕሓ ብምስኣን ጠጠው ዝብሉ፤ ሰራሕተኛታት ዝቕንሱ፣ ንሰብ ሃፍቲ ወፃእተኛታት ዝሽየጡ እዮም ዝኾኑ፡፡

ግዕዝይና ኣብ ህወሓት ዳርጋ ትካላዊ ኮይኑ እዩ፡፡ ህወሓት ኣብ ሕብረተሰብ ፀገም ፈጢሮም ንፀገሞም በይኖም ክከላኸሉ ዘይኽእሉ ሰባት ከም ሓይሊ መርከቢ ዝፅግዑዎ እዩ፡፡ ብገለ ድማ ዘይሕጋዊ ድሌት ዘለዎም ስልጣን ሒዞም ድሌቶም ከሳኽዑ ዝፅግዑዎ ወይ ድማ ኣብ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ዘይኮኑ፡ ኣብ ዕዳጋ ካብ ዝረኽቡዎ ኣብ ውድብ ተፀጊዖም ዝረኽቡዎ ስለዝበልፅ ዘፅለሉሉ፣ ብገለ ድማ ንነዊሕ እዋን ኣፍቲ ውድብ ስለዝፀንሑ ብዝፈጠሩዎ ምልምማድ ምልቓቕ ኣብዩዎም እምበር ብድሌትን ኣታሓሳስባን ተፈልዩ ግን ድማ ብልምድን ምልማድን ነቶም ኣብ ሰራዊት ዘለዉ ሓዊስካ ዝግለፁሉ ኩነታት ኣሎ፡፡ እዚ ኮይኑ ግን ዉሑዳት ድማ ብናማኖም ካብ ሎሚ ፅባሕ ተማሓይሽ ክቐብፁ ዘይክኣሉ፡ ግን ድማ ብኹሉ ኩነታቶም ሕጊ ዘኽብሩ፣ ኣብ ሃይማኖቶም ስጡማት፣ ሕብረተሰባዊ ንውርነት (ነውረኝነት) ዝስከፉ ኣለዉ፡፡

ንውሑዳት ሃፋትም ጠጠው ምባል ንኣሜሪካ ተኸሲሳትሉ እምበር ህወሓት እውን ውሽጣ እንትቕላዕ እንታይ ከም ትመስል ካብዞም ዝጠቓቐስኩዎም ወፃኢ ኣይኮነትን፡፡ እቱ ናይ ህወሓት ኣፈላላይ ንህዝቢ ብሓደ ዓይኒ ዘይኮነስ ብፈታውን ፀላእን መዲብካ መሰረተይ ንእትብሎ ብተግባር ግን ጠጠው ዘይበለትሉ ታሕተዋይ ፀፍሒ ሕብረተሰብ ናይ ምትላል ስራሕ’ዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ነባር ተጋዳላይ ኣቦይ ስብሓት ኣብ ቃለ መሕትቱ መቓልሰተይ ሸቃላይ፣ ወያናይ ሙሁር፣ ልምዓታዊ ብዓል ሃፍቲ (እቱ ቡርዧ ወናኒ ፋብሪካ እዩ)፣ ወዘተ ይጠቓቕስ ነይሩ፡፡

ሓደ ቡርዧን ሸቃላይን ናይ መዝማዝን ተመዝማዝን ርክብ ኣለዎም፡፡ ናይ ካፒታሊዝም ስርዓት ንደላቢ ሃፍቲ ጠጠው ዝበለ እዩ፡፡ ስርዓት ሶሻሊዝም ድማ ንሸቃላይ ዝውግን’ዩ፡፡ እዞም ብኽልተ ተማዓደውቲ ስርዓታት ዝርብሑ ወገናት ኣብ ሓደ ውድብ ክርብሑ እንድሕር ኮይኖም እቱ ውድብ ሶሻሊዝምን ካፒታሊዝምን ኣብ ፕሮግራሙ ዘስጉም ክኸውን ኣለዎ፡፡ ካልኣይ ወያናይ ሙሁር ማለት ዘይሕሱ፣ ዘይሰርቕ፣ ዘየጭበርብር ኮታስ ኩሉ ዓይነት ኣሉታዊ ነገር ዘይለግቦ ማለት እዩ፡፡

እዚ እንተኾይኑ ኣፍታ ደንበ ጠጠው መበሊ ኣለቶ ዶ? ሌያቡ ተወዲቦም ዘይሽሙ ሽም ብምሃብ ፀለሎ ክኸድኑዎ ዶ ኣይኮኑን ዝውዕሉ? እቱ ውድብ ናይ ሕመቕ ዘሎዎም መሕብእን ውሕስና ወሃብን ኣብ ዝኾነሉ፡ እዋን ከመይ ወየንቲ ሙሁራን ጠጠው መበሊ ከም ዝረኽቡ ብተግባር ዝግለፅ መርትዖ ኣየቕርብን፡፡ ህወሓት ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘይዛሪ ሕመቕን ዑደት ምጥልላፍን ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ኣብ ጥቕሚ ብዝትሓገ ኔትወርክን ምጉጅጃልን ብማዕበላዊ ቃልስን ሕመቕን ኣብ ዝሕቆነሉ ህሞት ናይ ኣሜሪካ ዴሞክራሲ ክነቅፍ ሞራል ካበይ ከም ዝረክብ ይገርም’ዩ፡፡ ኣብ ዕድምኡ ዘየረጋገፃ ሸቶ እንትሃሊያ ዴሞክራሲ እያ፡፡ ዴሞክራሲ ብሰፊሕ ትርጉሙ እንትውሰድ ማለት እዩ፡፡ እዚ እዙ ትካሉ፣ ኣባልን ኣመራርሕኡን ምስ ኣሜሪካ ንምቅርሓን ክብል ዝነኻኽኦም ነጥብታት ከመይ ክመፀሉ ከም ዝኽኣለ ንባዕሉ ንግደፎ፡፡

ኣሜሪካን ግብረ ራዕድን ኣብ ትሕቲ ዝብል “ኣሜሪካ ፀረ-ራዕዲ ኮይና ኣይትፈልጥን” ዝብል ንረክብ፡፡ ግርም እያ ኣይኮነትን ዝብል ንግደፎ’ሞ ከምዚ ዝብል ፅሑፍ ስለዝበተንካላ ኣብ ረብሓ ትግራይን ህወሓትን ዝህልዎ ኣወንታዊ ትርጉም ዝነግረና ይህሉ ዶ? “ንኣልቃዒዳ ኣብ 1979 ኣብ ኣፍጋኒስታን ብሲኣይ.ኤን መሻርኽታ ሱዑዲ ዓረብን ኣጣይሻቶ፡፡ ንኣልሸባብ እውን ከምኡ…” (ገፅ-21)፡፡ “….ኣልቃዒዳ ንኢራንን ሶቬት ሕብረትን ከተራምስ፣ ኢሉ እውን ማእኸላይን ርሑቕን ምብራቕ ብግብረ ራዕዲ መእተዊ ክኾና፤ ኣልሻባብ ድማ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ መእተዊ ክኾና ዘጣየሸቶም ፈጠርቲ ራዕዲ እዮም” ይብል፡፡ ዝተቐትለ ኢራናዊ ጄኔራል እውን ፍሉጥ ፀረ-ራዕዲ እዩ ነይሩ፡፡ ግን ድማ ኣብ ባግዳድ ብኣሜሪካ ተቐንፂሉ፡፡ ኣብ ህወሓት እውን ጌታቸው ኣሰፋን፡ ጄ/ል ኣብርሃ ኳርተርን ተሃድኖም ነይራን ኣላን…” ይብል፡፡

ኣብዚ ሃገራት ናይ ባዕለን ጥቕሚ ዘረጋግፃሉ መንገዲ ባዕለን እኳ ዝፈልጣ እንተኾና ንኣሜሪካ መሪፅካ ብዚኦም ኩሎም ገበናት ምኽሳስ ናይ ጥዕና ኣይመስለንን፡፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ በቶም ትኽሰሰሎም ዘላ ነጥብታት ብልዝብ ተኸይዱ፣ ኩሎም ኣማራፅታት ተፈትሾም፣ ካብዚ ወፃኢ ካሊእ መማረፂ ተሳኢኑ ድዩ? ናብ ናይ ምቅላዕ ወፍሪ ተኣትዩ ዝብል ሕቶ ዘልዕል ሰብ ናይ ወያናይ ዴሞክራሲ ወገን ከም ዘይኸውን እርግፀኛ እየ፡፡ 30 ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ኮፊሎም ኣብ ምሕዝነት ኣሜሪካ ጠብ ዝብል ስራሕ ዘይነበሮም ደናጉል አመራርሓን ኣምባሳደራትን ሒዝካ፣ እሞ ድማ እዚ ኩሉ ኽሲ እንታይ ክስዕብ ይኽእል ዝብል እውን ሳዓቤኑ ከረድኡ ዘይኽእሉ ሒዝካሲያ ወለዶታት 21 ክፍለ ዘመን ክምራሕ፡፡

እቱ ኻሊእ ኣሜሪካ ኣብ ኩሉ ማኣዝናት ዓለም ወታደራዊ መአዘዚታት ወይ ክዓ ወታደራዊ ኮማንድ ኣለዋ፡፡ ንምጥቃስ ዝኣክል ላቲን ኣሜሪካ ኮማንድ፣ ኣውሮፓ ኮማንድ፣ ኢንዶ-ፓስፊክ ኮማንድ፣ ማእኸላይ ኮማንድ (ኣብ ዞባ ሜና ዝርከብ)፣ ኣፍሪካ ኮማንድ ኣለዋ፡፡ እዚኦም ኩሎም ኮማንድታት ዓለም ዘይትፈልጦም ኣይኮኑን፡፡ ኣብ ኩሉ ማእዝን ጥቕሚ ኣሜሪካ ዝጎድእ ምንቅስቓስ ኣሎ ኣብ ዝበለትሉ እዋን እንታይ ከም ዝሰርሑ ትቕስቅሶምን ተንቀሳቕሶምን፡፡ ስለዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ እውን ምንቅስቓስ ዝኾነት ካሊእቲ ሃገር ወይ ኣፍሪካዊት ሃገር እንተሃልያ ናይ ባዕላ ምንቅስቓስ ትገብር ትኸውን፡፡

እቱ ሓቂ እዚ እንድሕር ኮይኑ ኣሜሪካ ኣብ ዅናት ኢትዮ – ትግራይ ዳርት ክተእቱ ያ ደልያ ዝብል ወረ ይናፈስ ነይሩ፡፡ ኣብዛ ሰነድ እውን ኣብ ገፅ-22 ሰፊሩ ንረኽቦ፡፡ ዳርት ማለት “DARt” ዝብል ሽም ሃልዩዎ፡ ዕጡቕን ኣብ ዝኾነ ቦታ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ኣብ ቅድሚኡ ዘይፀንሖ ኮማንዶን እዩ፡፡ ይኹን እምበር ኣብዛ ሰነድ ዝተገለፀሉ ኣገባብ “…እዚ ሓይሊ እዚ ሞት ዝፈረደልና ሓይሊ ስለዝኾነ ሞይትና ነፃነትና ክነረጋግፅን ትግራይ ክነድሕንን ኣለና፡፡ ብዲፕሎማሲ ናብ ኢራንን ሩሲያን ምፅጋዕ ናይ ግድን እዩ…” ይብል፡፡ ኢራን ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲ እንታይ ዝብሃል ጉልበት ሃልዩዋ እዩ ናብ ኢራን ንፅጋዕ? ኣብ ፈለማታት 2010-13 ኣብ ዝነበሩ እዋናት እውን እንተኾነ እተን ናይ ምብራቕ ሃገራት ናብ ትግራይ ምብፃሕ ይገብራ ስለዝነበራ ህወሓት ብዲፕሎማሲያዊ መንገዳ ክትውቃዕ እያ ንብል ነይርና፡፡ እቱ ሓሳብ ነቱ ሽዑ ንብሎ ዝነበርና ማህተም ኣንቢሩሉ እምበር ካሊእ ኣይገበረን፡፡

እቱ ኻሊእ ተፃባእቲ ሓሳባት ምስጓም ኣብዚ ፈጢጡ ይርአ፡፡ ናብ ኢራንን ሩሲያን ምፅጋዕ ቅድስና እዩ፡፡ ናብ ኣሜሪካ ወይ ክዓ ምዕራባውያን ምፅጋዕ ግን ተለኣኣኽነት እዩ፡፡ ዳርት ሞት ህወሓት ፈሪዱ እንተነይሩ መን ከም ዝዓገቶ መረዳእታ የለን፡፡ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ እትሕነዮ፣ እትውንጅሎ፣ እተናሽዎ፣ እተፀልሞ፣ ዓቕሚ እንተትረክብስ ወረ ብኽሳዱ ክትሓንቆ እትደልዮ ሓይሊ ተመሊስካ ክርህርሀልካን፤ ረብሕኡ እናተፃባእኻ ረብሓኻ ከረጋግፀልካን ምፅባይ፡ ንነገራት ዘለካ ንባብን ትርጉምን ናይ ስነ-ምዕሩይነት ፀገም ዘርኢ እዩ፡፡ ኣብ ዓለም ዘለትካ እንኮ ፀላኢት ኣሜሪካ ወይ ምዕራባውያን እናሃለዉ፡ ኣብ ፀገምካ ድማ ዳያኑን፡ ሽማግለታትን ኮይኖም እናሃለዉ፡ ዘይንታዩ ወዲ ትግራይ ክሒዱኒ ዶ ፅግዕተኛ ዶ፡ ዘይድሓንያ ሕሙምስ ኣጎለ ሓጋይ በለ እዩ ነገሩ፡፡ ባዓልኻ ንስለኣመልካ በዚን በቲይን ዝኣጎድካዮ ሓዊ ተመሊሱ ምስ ለብለበካ ህሩርጉመን ወፍሪ ፍሬን ድኣ ይገበረሉ፡፡

“ኣብ ምዕራባውያን ዝተረኣየ ቁጠባዊ ቅልውላውን፡ ኣብ ዓለምና ዝመፀ ለውጥን!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ርእሲ፡ኣብ 2000ዓ/ም ኣቆፃፅራ ግእዝ (ማለት እውን ብፈረንጂ 2008 ማለት’ዩ) ኣብ ሓፈሻዊ ቁጠባ ምዕራባውያን ምርግጋዕ ዝስኣናሉ እዋን ነይሩ፡፡ ምዕራባውያንን ምስአን ዝራኸባ ሃገራትን ተጎዳእቲ ነይረን፡፡ ዋጋ ወርቂ ወሲኹ፡፡ “….ቁጠባ ምዕራባውያን ብፍላይ ናይ ኣሜሪካ ባይታ ዘቢጡ፡፡ ኣሜሪካ ዓመታዊ ክሳብ ሓደ ትሪልዮን ዕዳ እንዳተዳዕነነት ካብ 2008 ክሳብ 2020ዓ/ም ካብ ዓመታዊ እቶት 150% ዕዳ ዝተፅዓና ሃገር ክትከውን ክኢላ እያ፡፡ እዚ ማለት ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ብዓልቲ ዕዳ ከምትኸውን ኣብ ሞንጎ ዝኣትዋ ሓንቲ ወይ ክልተ እንተሃልየን ምናልባት፡፡ ዘለዋ ዕዳ ንምኽፋል 500 ሚልዮን ዓመታት ከም ዘድልያ…” የቐምጥ፡፡

እዚኣ መቼም ኣነ እውን ብስነ-ሓሳብ ዘይኮነ ብስታቲስቲካዊ መረዳእታ ዝተቐመጠት ስለዝኾነት ብድፍረት ኣይፅሓፍኩላን፡፡ መረዳእታታት ካብ 2000 ክሳብ 2013 ዘሎ ናይ 13/14 ዓመታት ምድህሳስ ግድን ይኸውን፡፡

“..እዚ ኹሉ ዕዳ ዝተዳዕነነት ሃገር ዶላራ ናይ ዓለም መተዓዳደጊ ናይ ምዃን ዕድሉ እናብቅዐ መፅዩ፡፡ ነዚ ድማ ኣሜሪካ እግራን ኢዳን ዓፃፂፋ ክትሪኦ ኣይክኣለትን፡፡ ስዒቦም ዝተኸሰቱ ንርአ” ኣብ ዝብል፡ ዒራቕ 2003 ተወሪራ፣ ሶሪያ ካብ 1949 ክሳብ 2011ዓ/ም/ፈ፣ ሊብያ 2011 ተወሪረን፡፡ ስለዚ ኣብዚ ዘሎ ምፍላስ እንታይ እዩ? ኣሜሪካ ሃገራዊ ረብሓኣ ንምሕላው እዚ ገይራ ነውራም ዝበለት ህወሓት፣ ባዕላ ድማ መሬታ ንምስፋሕ(ልቢ ህዝቢ ንምሓዝ’ዩ) ንክልል ዓፋር ክትወርር፣ ኣብ ሶማሌ ክልል መንግስቲ ክትግልብጥ፣ ኣምሓራ ክልል ክትብትን ከምትደሊ ኣብዛ ሰነድ እዚኣ ኣብ ባዕላ ተቐሚጡ ንረኽቦ፡፡

ናይ ህወሓት ውድቀት ሓቃዊ ምንጩ ከይገምገመት ደጋዊ መሳበቢ ኣብ ምድላይ ምውዓል እቱ ውድቀት እናሰጎምካ ፀገም ዘይኮነ ግን ድማ ፀገም ኢልካ ብምልዓልካ መዋስኽቲ ፀገም ዝኸውን፡ ምልዓል ካብ ፀገም ዘይትወፅእ ምዃንካ መረጋገፂ እዩ፡፡ ውድቀት ኢህወዴግ ዝመፀ ብናይ ኢህወዴግ ሓማቕነት ዝተደፍአ ህዝቢ ዘምፅኦ እምበር፡ ብናይ ዶ/ር ኣብይ ፅቡቕነት ተሳሒቡ ዝኣተዎ ኣይነበረን፡፡ ስለዚ ነቱ ደፋኢ ነገር ብትኽክል እንድሕር ዘይፈሊጥካዮ ኣብ ጨንፈራት ኢኻ ትንጠላጠል፡፡ ነዚ ብሰፊሑ ዳህሳስ 27 ዓመታት ዘበነ ኢህወዴግን ውስብስብ ፖሊቲካ ኢትዮጵያን ኣብ ዝብሉ ምዕራፋት ያለመግባባታችን ምክንያት ሕታም 2012ዓ/ም ሰፊሩ ኣሎ ምንባብ ይክኣል’ዩ፡፡

“…ብሪክስ እውን ኣብዚ ሓደ መፍትሒ ከም ዝኾነ፡ ኣባል ሃገራት 2014 ተዛትየን 2015 ናይ ባዕለን ባንኪ ንኣይ ኤም.ኤፍ ዝትክእ ባንኪ ከፊተን፤ መንግስቲ ብራዚል (ንብራዚል 7ይ ኢኮኖሚ ዓለም ዝፈጠረ ውድብ) 2016 ዕልዋ ተገይሩሉ፡፡…” እዚ ኣብ 2016ዓ.ም.ፈ. ብራዚል ብኢኮኖሚ መበል ክንደያ ነይራ? እንተይልና ውግንና ወያናይ ዴሞክራሲ ድኣ ምፍትታን ከይኸውን እምበር………….ነይራ፡፡

“…ምሳና ከፊቶምዎ ዘለዉ ኲናት ንዓና ክሳብ ዘጥፍኡ ስልቲ እምበር ስትራቴጆምን ቅዋሞምን ኣይቕይሩን፡፡….” እዚ ንኣሜሪካ ማለት’ዩ፡፡ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ክመርፅ እንድሕር ሃልዩዎ ዝሐሽ ረብሓ እምበር ዝኸበደ ዕዳ ዘምፀአሉ፤ ብኣሜሪካ ክጠፍእ ምስ ዝድለ ሓይሊ ተሰሊፉ ነብሱ ከኽስም ዘለዎ ኣይመስለንን፡፡ ኣብዚ ነገራት ብዝበለፀ ግልፂ እናኾኑ ዝመፁ ዘለዉ ይመስሉ፡፡ ህወሓት ኣብ ስልጣኑን ዕንደርኡን ብሽም ዴሞክራሲ ከይኽሰስ ብዛዓባ ዴሞክራሲ ግዳሽ ምስ ዘይብለን ሃገራት ክፅጋዕ እንትደሊ፡ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ምሕላይ ኣይኮነን፡፡ ኣብዚ እውን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብኻልኦት ንረኽቦ ረብሓ ብኣሜሪካ ክትካእ ብምግባር ህዝብና ሒዝና ድኣ ካብ ገፅ ምድሪ ንጠፍእ እምበረ ካብ ኢራን፣ ሩሲያን ቻይናን ሲ ዘበት ኣይንፍለን እንተኾይኑ፤ ኣሜሪካ ንህወሓት ዘጥፍእ ሓይሊ ስኢና ክትተርፍ ከላ ታሪኽ ክነግረና እዩ፡፡ መንከራ ህዝብና ግን ክበዝሕን ክወሳሰብን ይኸውን፡፡

“….ካብ ሰነ 3/2013ዓ/ም ጀሚሩ ከም ዝጅመር ወፍሪ ክትባት ብሚዲያ ይንገር ኣሎ፡፡ ብኣብይን ኢሳያስን ከፅንቱና ዘይተሳኸዐሎም ኣጀንዳ ብባዮሎጂካል ውግእ ንምስዓር ንዓና ንምጥፋእ ኣብ ምሽብሻብ ይርከቡ፡፡…” እዚ ብፍፁም ዝተፈላለየ ኣሰላልፋ ቓልሲ ተጋሩ ምንባሩ እውን ዝሕብር’ዩ፡፡ ተቓለስቲ ተጋሩ ዲያስፖራ ይገብሩዎ ኣብ ዝነበሩ ቓልሲ የድሕነና እዩ ኣብ ዝበሉዎ በርታት ኤምባሲ፣ ምሳና ይስለፍዩ ኣብ ዝበሉዎ ሃገር ጎደናታት ወዘተ ነይሩ፡፡

እዚ እንድሕር ነይሩ ወፍሪ ቓልሲ ዲያስፖራ ኣብ ጎደናታትን በሪ ኤምባስታትን ምዕራባውያን እምበር ኣብ ጎደናታት ኢራን ወይ ሩሲያ ኣየተረኣየን፡፡ ወይ እውን ኣብ በሪ ኤምባሲታት ሩሲያ፣ ኢራንን ቻይናን ኣይተረኸበን፡፡ ኣብ መድረኸ ዓለም እውን ዝሕግዛ ዝነበራ ዓድታት ምዕራባውያን እምበር ኢራን፣ ሩሲያን ቻይናን ኣይነበራን፡፡ ብርግፅ ህወሓት ኣብ ፌዴራል መንግስቲ ስልጣን ሒዙ (ናይ ትግራይ በደል ኣብ ሒሳብ ስለዘይኣቱ)፡ ዘብፅሖም በደላት ኣብ ልዕሊ መሳርሕቱ ዝነበሩ ግንባራት ኢህወዴግ ዘብፅሖም ዝነበሩ ዕንደራታት ክኽሰሰሎም ምስ ጀመረ፤ “ህዝቢ ትግራይ ክትህሉ እንተደሊኻ ንዓይ ኣድሕን!” በለ እምበር፡ ንህዝቢ ይጋደልየ ዝብል ፖሊቲከኛ እንተዝህሉ ህዝቢ ኣብ ዘይጣጥኡ ኣይእቶ ኣነ ክስዋእ ኣለኒ ምበለ፡፡

14/7/2017

ብዓል አብዲ ኢሌ ብማዓት ክስታት ተጀግጅጎም ነበሩሞ ተመሊሶም ድኣ ወፁ ምንም ኣይኮኑን፡፡ ኣቦይ ስብሓት እውን እንተኾነ በረኻ ዘውፅእ እኳ እንተዘይነበሮ፡ ምስተማረኸ እውን ግን ምንም ኣይኮነን፡፡ መላእ ምሩኽ ኣመራርሓን ነበርን ማእኸላይ ኮሚቴ ተፈቲሑ ዶ ኣይወፀን፡፡ ስለዚ ዝኾነ ይኹን ሰብ ተዝኣቱስ ዘይከምኣቶም ክፍታሕ ነይሩ እዩ፡፡ እቱ ንሪኦ ዘለና ናይ ኣብይ ኣካይዳ ድማ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኾይንካ ምተደርበየ፡፡

ዋላ እውን እቶም ኣብ ብሄራዊ ድህንነት ዝሰርሑ ዝነበሩ ናይ ግንቦት ሸውዓተ ክትትል ዝነበሩ ተፈቲሖም ኣብ ውልቀ ናብርኦም ኣትዮም ኣለዉ፡፡ እቱ ኻሊእ ክሲ ብባዮሎጂካዊ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህፃናት ትግራይ ዝብል ነቶም ብዶላር ከፈልቲ ግብሪ ደቂ ሃገሮም ንህፃውንቲ ተጋሩ ክትባት ክህቡ ዝወፍሩ ለገስትን ተገደስትን ክንደይ ኮን የሕሞም ይኸውን? ገንዘብ ሃገርካን ደቂ ሃገርካን ንሞራላዊ ጉቡእ ተባሂሉ ዘወፈኻዮ ንህልቂትን ሕሰምን ደቂ ሰባት ኣውዒልካዮ ዝብል ክሲ ክትሰምዕ ሲ ክንደይ ኮን የሕምም ይኸውን?

እንዲያውም ናይዚ ውፅኢት ከይኮነ ኣይተርፍን ሓዱሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ስርሑ እንትጅምር ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ጠጠው ከብል ብምውሳነ ዝጀመረ፡፡ እዚ ናይ ህሓት ክሲ ፀረ-ረብሓ ተጋሩ ጥራሕ ዘይኮነ ፀረ-ደቂ ሰባት’ዩ፡፡ መላእ ድኻታት ዓለም ንዝተሸከመ ትካል ራድኦ ኣሜሪካ በዙ መልክዕ እዚ ምኽሳስ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ድኻ ሃገራት ዓለም ድራር ምሸት ዘስእን’ዩ፡፡ ህወሓት 30 ፖሊቲክኡ ልዕሊ ፕሮፖጋንድኡ ዝደጎመሉ ሓገዝ ለገስቲ ከምዚ ገይርካ ብዜሮ ምርባሕ ክሳድ ኣልቦነት’ዩ፡፡

እዘን ዝኽሰሳ ዘለዋ ሃገራት መቼም ዝሰልጠና ስለዝኾናን ፖሊቲካዊ ሽርሒ እውን ይፈልጥኦ ይኾና እሞ ይንዕቐኦ ዶ ይኾና እምበር፤ መሊሰን ነዙ ውድብ እዚ ዝድግፍ ህዝቢ ምድጋፍ ሲ ከመይ ይኸብደን ይኸውን? ብኸምዚ ዓይነት ውንጀላታት ዝኸስስ ህወሓት ሓገዝ ጠጠው ተዘብላ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ብኸመይ መደናገሮ? እዚ ሲ ዕድል ደኾን’ዩ መርገም ህዝብና ወለዶታት ኣብ ዘይዛሪ ዑደት ውግእ ክነብር ዝገበሮ? “….ብክትባት ኣቢሎም ከምክኑና ከይኣትዉ ንመክት….” ዝብል ወፍሪ፤ ድሕረይ ደንዴር ኣይትብቆላ እዙ ዓይነቱ እዩ፡፡ እምበር እዞም ክትባት ዘዋፍሩ ዘለዉ ስልጣን ህወሓት ነቕናቒ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ባዕሎም እንዳ ህወሓት መራሕቲ መንገዲ ምንባሮም ይፍለጥ፡፡ ንምንታይ ድኣ ንሶም ከፅንቱና መንገዲ መሪሖም የእትዉዎም ነይሮም? ዝብል ሕቶ ተዝቐርብስ መልሲ ደኾን ምረኸቡ? ክትባት ዝወሰዳ ህፃናት ክዓብያ ከለዋ መኻናት ዝገብረን እንተኾይኑ ብህወሓት እውን መንገዲ ክኸፈተሎም ኣይነበሮን ይብል፡፡

ኣብ ገፅ-26 እውን “…..ኣሜሪካ ኣብ ኲናት ኢትዮ-ትግራይ ንብልፅግናን ሻዕቢያን ሙሉእ ናይ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ እናሃበት ወታደራት ኣሜሪካ ኣብ ፔንታጎን ኮይኖም ይምርሑዎ ነይሮም፡፡…..” እናበለ ይቕፅል፡፡ እዚ ተጋሩን ህወሓትን ብኽንድምንታይ ዝኣክል ከም ንርሓሓቕ ይነገርና፡፡ ንሕና ምዕራባውያን ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ ህዝብና ሰላም ክረክብ ፍትሒ ክረክብ ከም ትሰርሕ ኢና ንፈልጥ፡፡ ህወሓት ድማ ኣሜሪካ ህወሓት ከይጥፈአት ኣሜሪካ ከም ዘይትድቅስ፡ ሰላምን ርግዓትን ህዝብና እውን ከም ዘይምለስ እዩ ዝነግረና ዘሎ፡፡

እሞ ከምዚ እንተኾይኑ ድኣ ናብ ጥፍኣት ኣሜሪካ መሪሑ ዘእቱ ድኣ ናይ ጥፍኣት መሪሕነት እንተበልናዮስ? ምኽንያቱ ምስ ኣሜሪካ ካብ ምትኻን ንኣሜሪካ እንተኽኢልካ ማሓዛ፣ እንተኣብዩካ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይኻ ገለልተኛ ክትከውን፣ እንተውሒዱ ድማ ብፃላእነት ከይትስለፍ ምግባር እንድሕር ኣብዩካ፤ ብሱሩ እውን ብዓልኻ ብማዓት ክስታትን ቶኽታዅ ዘረባታትን ትደፍኣ እንተኾይንካ ኣብዩካ ምዃኑ ክፈልጥን ክውስንን ዘለዎ እቱ ካባኻ ወፃኢ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ እምበር ንስኻ ኣይኾንካን፡፡

ካሊእ ኣብ ካብ ገፅ-26 ከይወፃና “…..ገባር ኢትዮጵያ ናብርኡ ንምቕያር ልቓሕ ክወስድ 750 ሚልን ዶላር ኣብ 2011ዓ/ም ብፓርላማ ፀዲቑ ነይሩ፡፡ እዚ እቱ ገባር ክልቃሕ ከሎ መሬቱ ብትሕጃ /Collateral/ የትሕዝሞ ነቱ ልቓሕ ይወስድ፡፡ እቱ ገባር ዝኣትዎ ውዕሊ ነቱ ልቓሕ እንተዘይመሊሱ መለቀሓይ ነቱ መሬት ይወርሶ፡፡እታ ናይታ ልቓሕ ዕላማ እውን እዚኣ እያ፡፡ እዚ ድማ ናይ ዕዳ ባርነት/Debt Slavery/ተባሂሉ ይፅዋዕ፡፡…” ይብል፡፡

ኣብዚ ዘሎ ምሽጥራዊ ነጥቢ እንታይ እዩ? ገባር ኣይኮነን ኩሎም ኣብ ትሕዝቶ መሬት ዘለዎም ዋንነት እንታይ እዩ? ሰብ ዋና ”Onwership’’ ድዮም ወይ ክዓ ሰብ ግዚያዊ ትሕዝቶ “Possession’’? ብዓል ዋና ማለት ሙሉእ ናይ ወናንነት ስልጣን ስለዘለዎ ክልቀሐላ፣ ክሸጣን ክልውጣን ይኽእል’ዩ፡፡ ብዓል ግዚያዊ ትሕዝቶ ግን ልግዚኡ ዝጥቀመላ እምበር ካሊእ ብዓል ዋና ኣለዋ፡፡ ክልቀሐላ ኾነ ክሸጣ ክልውጣ ኣይኽእልን፡፡ ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ-40 ድማ ኣብ ንኡስ ዓንቀፅ (4) “ገባር መሬት ብነፃ ናይ ምርካብ፣ ካብ መሬቱ ናይ ዘይምንቃል መሰል ኣለዎ” ይብል፡፡ ኣብ ንኡስ ዓንቀፅ (5) ድማ “ሰበኽ ሳግም ንሕርሻ ይኹን ንጋህፂ እንስሳ መሬት ብነፃ ናይ ምርካብን ካብ መሬቱ ናይ ዘይምንቃልን መሰል ኣለዎ” ይብል፡፡ ኣብ ንኡስ ዓንቀፅ (3) ኸይድና ድማ “መሬት ናይ መንግስቲ እዩ” ይብል፡፡

እዚ እንድሕር ኾይኑ ሓንቲ መሬት ክልተ ኣካላት ክውንኑዋ ኣይኽእሉን፡፡ ሓንቲ ገዛ ወይ ናይ ውልቀ ሰብ ወይ ናይ መንግስቲ እያ ክትኮን እትኽእል፡፡ ናይ ክልቲኦም እያ እንተተባሂላ ዝሐሸ ጉልበት ዘለዎ መሰሉ የኽብር እዩ እቱ ሓቂ፡፡

ብመሰረታዊነቱ ዓንቀፅ (40) መሰረታዊ ናይ ሕጊ ክፍተት ዘለዎ እንድዩ፡፡ በዚ መሰረት ገባር ብዓል ግዚያዊ ትሕዝቶ እምበር ብዓል ዋና ኣብ ዘይኾነሉ ኩነታት ምእንተ እዛ ፅሕፍቲ ሓቅነት ክህልዋ መሬቱ ኣትሒዙ ክልቃሕ ኣይኽእልን፡፡ መሬቱ ኣትሒዙ ምልቃሕ ዝኽእልማ ተዝኸውን ገባር እንደርታ መሬቱ ኣብ ባንኪ እናትሐዘ፡ ተለቂሑ ገዛውቲ ብምስራሕ ኣካርዩ ባንኪ ልቕሑ ምኸፈለ ነይሩ፡፡ ኣብዚ ብዘየለ ጭብጢ እዩ ክሲ ቐሪቡ፡፡ እዛ ሰነድ ብሕጊ ቅቡልነት ብዘይብሉ ኣገባብ ህዝቢ ንምድንጋር ተባሂሉ ዝቐረበ ፅሑፍ ምዃኑ ሓደ ነገር ኮይኑ ንምንታይ ከምኡ ክግበር ከም ዝተደለየን ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ኣብ ካልኦት ሓቃዊ ኣጀንዳታታትካ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከም ዝፈጥር ንምንታይ ከም ዘይትሓሰበን ግልፂ ኣይኮነን፡፡

ኣብ ገፅ-27 “…ኣሜሪካ መሬት ኢትዮጵያ ክሽየጥን ክልወጥን ትደሊ፡፡ ህወሓት ኣይተቐበሎን፡፡ ….ክሲ ህወሓት ብመራሕቲ ኣሜሪካ ካብዚ ይነቅል፡፡….ኣመራርሓና ዲፕሎማሲያዊ ረኽቡ ምስ ኢራን፣ ሩሲያን ቻይናን ብህፁፅ ክገብር፣ ኣብ ህዝብናን ሰራዊትናን ፖሊቲካዊ ንቕሓት ክፍጠር፣ ኣለዎ፡፡…እዚ ኣብ ዘይገበርናሉ ግን ዓርስናን ህዝብናን ሒዝና ናብ መቓብር ከም ንኣቱ ክንጠራጠር የብልናን፡፡….” ይብል፡፡

ኣብዚ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ክማሓየሽ ናይ ህወሓት ይሁንታ ግድን ኣይሓትትን፡፡ ብኣብላጫ ድምፂ ዝውሰን ነገር’ዩ፡፡ ኣብ ፓርላማ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ኣብዝሓ ድምፂ ናይቶም ካልኦት ክሳብ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝውስኑዎ ውሳነ ዘትርፍ ኣይኮነን፡፡ ናይቱ ክንሰርሖ ኣለና ዝተብሃለ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ድማ እተን ዝተሓረያ ሃገራት ንባዕለን ኣብ ዓርሰ ምክልኻል ዝወደቓ፣ ንህወሓት ንበይኑ ምናልባት ኢራን ንኸባቢያዊ ሃዋኽነት ትደልዮ እንተኾይና እምበር ካልኦተን ብዘይ ኢትዮጵያ ህወሓት ይኹን ትግራይ ዝደልዩ ኣይመስለነን፡፡ እዚ ዘይምዃኑ ድማ ኣብ መድረኽ ዘተ ውድብ ሕቡራት መንግስታት/ ዩናይትድ ኔሽን/ ይቐርቡ ኣብ ዝነበሩ ኣጀንዳታት ትግራይ ዝሃቡዎ መልሰ ግብሪ ምርዳእ እኹል’ዩ፡፡

ስለ ፖሊቲካዊ ንቕሓት 50 ዓመት ቐስቂስካ ዘይነቕሐ ካድረ ኣብ ሓፂር እዋን ክነንቅሕ ኢልካ ትልሚ ዝሳኻዕ ኣይመስለንን፡፡ የግዳስ በቱ ድሕሪ ስምምዕነት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ብኣመራርሓ ዝተርኣየ ውጥጥን፡ ዘይተተግበሩ ትልምታትን እታ ዘይትተርፍ እትመስል ናይ ህዝብና ፅንተትን ናይ ህወሓት ክስመትን እዩ፡፡ ምኽንያቱ እቱ ህዝቢ ተፈናቒሉ ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ፈሲሱ እናሃለወ ነኒብዓልኻ ክትራጋሕ ምውዓል ነቱ ህዝቢ ኣየድሕን፤ ነቱ ውድብ ኣየድሕን፡፡ ህዝብና ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ኣካይዳ ህወሓት ኣብ ማእኸላይ መንግስቲ ውክልና ዘይብሉ ባእድ ተገይሩ ተታሒዙ፡፡ ህወሓት ንባዕሉ ኸ ብሓቂ ብብልፅግናን ሻዕቢያን ይቕረ ተባሂሉ ድዩ? ኣብዚኦም ርግፀኛ ኣብ ዘይኾንካሉ እዋን ነንባዓልኻ ካሊእ ተወሳኺ መዳኸሚ መንገዲ ምፍጣር ከምቲ ኣብ ላዕሊ ባዕሎም ዝበሉዎ “ዓርስናን ህዝብናን ሒዝና ናብ መቓብር” ናይቱ ፀገም ክብደት እዮም እናደራረቡሉ ዝኸዱ ዘለዉ እምበር ናይቱ መፍትሒ መሻኹቲ እናግፍሑ ኣይኮኑን ዝኸዱ ዘለዉ፡፡

መፃኢ ፍልፍል እቶት ዓለምናን ህፁፅ ኣዋጅ ኣሜሪካን ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ርእሲ ዓለምና ሓዱሽ ምንጪ እቶትን ምዕባለን፣ ምንጪ ግብኣት ቴክኖሎጂን ኢንዱስትሪታትን፣ ማእኸል ንሕንሕ ሓያላትን ዕፃ ዘይማዕበላ ሀገራትን፣ ክልልናን ሃገርናን ዘለወን ዕድልን ኣሜሪካን ቻይናን ኣብዙ ሓዱሽ ምንጪ ጥፍኣትን ምዕባለን ዝኾነ ማዓድን ወዘተ ይድህስስ፡፡

ኣብ ኩሎም ዳህሳሳት እዛ ሰነድ ከም ዘሎ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ክስን ንቻይና ዝውሃብ ሙጎሳን እውን ኣሎ፡፡ ሓደ ዓብይ ነጥቢ ግን ብዘየማትእ ተቐምጥ፡፡ “….ኣብ ክልልና ቕድሚ ዅናት ኢትዮ -ትግራይ ኣትሒዙ ልዕሊ 80% መሬት ትግራይ ብሓሙሽተ ናይ ምዕራባውያን ኩባንያታት ተታሒዙ እዩ፡፡….” ይብል፡፡ ኣብዚ ትርጉም ዘለዎ ሃፍቲ እዩ፣ ንልምዓትን ጥፍኣትን ዓለምና ዝውስን ኢሎም ትንትን ዝውዓሉዎ፡ ብዘሕዝን ኩነታት እቱ ትርጉም ዘለዎ ሃፍቲ ንምዕራባውያን ተዋሂቡ ክብሉ የስምሩሉ፡፡

እዚ ድማ ብመንግስቲ ብልፅግና ወይ ብቐይዲ በተኽነት ምዕራባውያን ዘይኮነስ፡ ብፍቓድ መንግስታዊ ስልጣን ህወሓት ዝተፈፀመ እዩ፡፡ እዚ እዩ እቱ ናይ ክልተ ዓይነት ረቋሒ መዓቀኒ ንሓደ ነገር፡፡ ካሊእ እንትገብሮ ተለኣኣኺ ባዕሎም እንትፍፅሙዎ ተራ ጌጋ ወይ ቅድስና፡ ወይ በቱ ዋና ዘይብሉ ገበን ኣፈፃፅማ ከም ዝተሰርሐ ገይሮም ዘቕርቡዎ፡፡ “…ዅናት እንተዘይኸፍቱልና ነይሮም ፖሊሲና ከይቀየሩ ብኸብድና ሒዞም ኣብ ቁፅፅሮም ከውዕሉና ነይሮም፡፡…” ይብል፡፡ ዅናት ምስ ተኸፍተስ መን ዶ ከልኪሉዎም እዩ? ኣይ ኣብ ዘለናዮ እንዶ የርግፁና የለዉን በቲ ህወሓት ዝበሎ እንተኾይኑ፡፡

ከም ርእይቶ እዙ ፀሓፊ ምንም ዝኣክል ዘይፈልጥ ሰብ ወይ ትግራዋይ መንግስታዊ ስልጣን እንተዝሕዝ ካብዚ ንላዕሊ ንትግራይ በሰላ ኣይመብፀሐላን፡፡ እቱ ዝፍፀም ኣሉታዊ ተግባር ኣብ ምፍፃሙ ኣይኮነን ዘዋጥጥ መመሊሰ ባዕለይ ክዕይነኩም ማለት እዩ እቱ ዝኸበደ ነገር፡፡ ዘይፈልጥማ ምናልባት ይጋገ ይህሉ እየ ኢሉኳስ ስቕቕ ይብል፡፡ ኣብ ዘይምምሃርን ተማሂርካ ደንቆሮ ምዃንን ዘሎ ኣፈላላይ እዚ እዩ፡፡ ስትራቴጂካዊ ምምችቻው ክንገብረልኩም ተማዓራረዩ፡፡ ሕቶ ፍትሒ፣ ሕቶ ህልውና ትግራዋይነት፣ ትግራይን ተጋሩን ገና ኣይተመለሰን፡፡ ስለዚ ኣብ ተራ ካብ ስረኹም ስረይ ይነውሕ ውጥጥ ኣይትእተዉ እንተበልካ እውን ወይከ ኣጥሰምዑን፡፡

በቶም ኣብ ላዕሊ ዝተቐመጡን ንሜቴክ ዝተውሃቡን ስትራቴጂካዊ ኣንፈታት ህወሓት፡ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ምስ ምዕራባውያን ትካላት ውዕሊ ልምዓት ከይእተው ተነፂሩ ከም ዝተቐመጠ ኣዳላዊ እዛ ብዓልቲ 34 ገፅ ሰነድ መመያየጢ ህወሓት ብግልፂ ቋንቋ ነጊሩና እዩ፡፡ 80% መሬት ትግራይ ንምንታይ ንምዕራባውያን ከም ዝተወሃበን፣ ኣብ ልዕሊ እዙ ተግባር እዚ ዝፈፀመ ኣካል እንታይ ስጉምቲ ከምዝተወሰደን ዝነግረና ግን የለን፡፡ እሞ ድማ መሬቱ 80 ሚኢታዊ ንምዕራባውያን ዝሃበ ኣካልሲ፡ ሎሚ መሬትና ከይምለስ ሓንኮልኩምኒ ኢሉ እዊ ክብል ክትሰምዕስ መደንፀዊ እዩ፡፡ እቱ ናይ ሎሚ ፀገም ቅድሚያ ተዋሂቡዎ ክፍታሕ ዘለዎን፡ ኣጀንዳ ኹልና ክኸውን ዘለዎን እዩ፡፡ እቱ ቑምነገር ግን ሰማንያ ሚኢታዊ መሬት ትግራይ ንምዕራባውያን ዘረከበ ሲ መን ንበሎ? እዩ፡፡

ኣብ ዋኒን ትግራዋይነት፣ ትግራይን ተጋሩን ቀይሕ መሰመር ምግባር ኣድላይን ወሳንን እዩ፡፡ ከምቲ ኣብዛ ፅሕፍቲ ቀሪባ ዘላ፡ ንሕና ተጋሩ ኣይንተግብሮ እምበር ኣብነትና እስራኤል እያ፡፡ ፖሊቲካዊ ልሂቃን ኣምሓሩ ኣብነቶም ኩርዳውያን እዮም፡፡ ሎሚ እውን ብመትከል ደረጃ ረጊፆም ሒዞም ዘለዉ “ሃገር ክትኾኑ እንተደሊኹም መሬት ሒዝኩም ኣይትኸዱን” እዩ፡፡ “ምዕራብ ትግራይ ምሃብ ማለት ተጋሩ ሃገር ክትኾኑ ዝእውደኩም የለን፡፡ ስለዚ ሓቢርና ንነብር እንተንኸውን ካሊእ መሬት እውን እንተትወስዱ ፀገም የለን፡፡ ምኻድኩም ከም ዘይተርፍ ትነግሩና ስለዘለኹም፡ ሎሚ እውን ሙሉእ ምሕዋስ ስለዘይተገበረ መሬት ሒዝኩም ኣይትኸዱን” ይብሉ፡፡

ንባዕሎም ኩርዳውያን ገይሮም ዝሓስቡሉ ድማ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተበቲኖምን ምስ ማንም ብሄር ተኣታትዮምን ስለዝፀንሑ፡ ኣብ ውሽጦም እውን ናይ ክልልነት ሕቶ ንዘልዕሉ ህዝብታት መልሲ ዘይህቡለን መሰረታውያን ሰለስተ ነገራት ስለዝስእኑ እዮም፡፡ ቐዳማይ ካብ ትግራይ ምዕራብ ትግራይ ልሙዕ መሬትን ብጅግንነት ዝዋጋእ ህዝብን፣ ካብ ቅማንት ታሪኽ ጎንደርን ባህላዊ ክዳን ጃኖ፣ ልሙዕ መሬትን ብጅግንነት ዝዋጋእ ኣርማጮሀታይን፣ ካብ ኣገው ጅግንነት፣ ታሪኽ፣ ልሙዕ መሬት፣ ፈረሰኛነትን ቐይሕ ባህላዊ ኽዳንን፣ ካብ ራያ ከምኡ፡፡ እዞም ህዝብታት እዚኦም እንድሕር ካብ ኣምሓራ ክልል ወፂኦም ታሪኽ፣ ልሙዕ መሬት፣ ባህሊ፣ ጅግንነት ክስእኑ እዮም፡፡ ዝብል መካትዒ ብገለ ወገናት ይቐርብ፡፡

እዚ ግን ኣምሓራይን ትግራዋይን ልክዕ ከምቲ ትግራዋይን ኤርትራውን ክልተ ኣሕዋት ክንምቀል ዘይነበረና ተመቒልና ዝብል ሕራነ እዩ ክረአ ዘለዎ፡፡ ህዝብታት ኣምሓራን ትግራይን ሴማዊ ማሕበረሰብ ስለዝኾነ ህወሓት ንጉጅላዊ ረብሕኡ ክብል ብዙሕ ክቕይሮም ዲሕ ዝብለሎም ግን ድማ ኣብ መብዛሕትኡ ዝተሳኸዐሉን ገለ ዝወደቐሉን፡ ኣብ ሞንጎ ተጋሩን ኣምሓሩን ዝተሰርሑ ተረኻት ዋላ እውን በቱ ዝበፅሓና ጄኖሳይዳዊ ዅናት ዝበፀሐና ሃሰያ ይሃሉ፡ ከምቲ ንሻዕቢያ (ዋና ፈፃሚ ጄኖሳይድ) ሓውና ኢልካ ንተራ ህዝቢ ኣምሓራ ብፀላእነት ምቕማጥ ምስኣን ፖሊቲካዊ ጥቅውነት’ዩ፡፡

እቶም ኣብ ንጡፍ ወንጀል ዝተሳተፉ ፖሊቲከኛታት ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ዝውሰን ኮይኑ፡ እቱ ተራ ህዝቢ ግን ከምቱ ተራ ህዝቢ ሓዉ ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ህዝቢ እዩ፡፡ ስለዚ ሕሉፍ ገበን መራሕትን ተዋሳእቱን ዝወስዱዎ ኾይኑ እዞም ክልተ ህዝብታት ክፈላለዩ ምግባር ግን ብፍላይ ካብ ጫፍ ምዕራብ ክሳብ ጫፍ ራያ መዳቡብቲ ክልል ኣምሓራ ኾይኖም ዝነበሩ ህዝብታት ናይ ባዕሎም ብርክት ዝበሉ ሓባራዊ ክብርታት ኣለዉዎም እዮም፡፡

እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሞንጎ ሰሜን ትግራይን ደቡብ ኤርትራን ዘሎ ህዝቢ ዝማቐሎም ሓባራዊ ክብርታት፡ ናይዞም ብደቡብ ትግራይን ሰሜን ኣምሓራን ዘለዉ ህዝብታት እውን ሓባራዊ ረብሓታት ኣብ ግምት ዘእተወ ጥቅው ፖሊቲካ ትግራይ ክህልው እንተዘይክኢሉ፡ ኣብ ስነ-ልቦናን ኢኮኖሚያዊ ረብሓታትን ሰሜን ትግራይን ደቡብ ኤርትራን ዝበፅሐ ማህሰይቲ ኣብዞም ደቡብ ትግራይን ሰሜን ኣምሓራን ክበፅሕ ምፍቃድ’ዩ፡፡ እዚ ብልሂ ካብ ሰብ ይምሃር፡ ዓሻ ካብ ባዕሉ ይምሃር ከም ዝብሃል፤ ውድቀት ካልኦት ወገናትና ኣብ ልዕሊ ካሊእ ወገን ክድገም ምፍቃድ’ዩ፡፡

ነዚ ዘፍቅድ ፖሊቲካዊ ኣንፈት ብጣዕሚ ሓደገኛን፡ ካሊእ ዑደት ውድቀት ዘምፅእን’ዩ፡፡ እዚ ብወገን ሰሜን ኣምሓራን ደቡብ ትግራይን ዘለዉ ህዝብታት ፖሊቲካዊ ንቕሓት ዝሓትትን ናብ ካሊእ ውስብስብ ከይተሰጋገረ ክዕገት ዘለዎን እዩ፡፡ እታ ምስ እንፈትዎም ኣሕዋትና ተመቓቕለና ዘላ ፀገም እታ ፖሊቲካ እንዲያ፤ ስለዚ ነዚኣ ፖሊቲካዊ ሕክምና የድልያ፡፡ እታ ኣብ ሰሜን ትግራይን ደቡብ ኤርትራን ተፈጢራ ዘላ ናይ ወሰንነት ፀገም ናብ ማእኸል ንምእታው ዝስራሕ ፖሊቲካ ደቡብ ትግራይን ሰሜን ኣምሓራን ናብ ፖሊቲካዊ ወሰንነት ብዘሳጥሕ መንገዲ ክትከውን የብላን፡፡ እታ ነዚ ዝፈጠረት መስርሕ ናብ ቐይሕ ባሕራ ነእትዋ፡ ዝብል ብልክዑ ይስማዕመዐሉ፡፡ ካብዚ ወፃኢ ብዘሎ ግን ሓደገኛን ዳግማይ ውድቀት ዘምፅእን’ዩ፡፡

ኣምሓራ ክልል እቶም ዝዘርዘርኩዎም ነጥብታት ሙሉእ ብሙሉእ የብሉን ማለት ኣይኮነን፡፡ እቱ ዝስእኑዎ ግን ቐሊል ስለዘይኮነ ብጫፍጫፍ ዘርእታት ኩሎም ሓተቲ ይውድኡዎ እምበር ልሂቃን ኣምሓራ ብሻላማላ ከም ተጋሩ ዝለቁዎ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ዋኒን ምዕራብ ትግራይ ባዓልና ብስንፍናና ዘቐየምናዮም ተጋሩ ኣሕዋትና፣ ምስ ኣሜሪካ ዝፍጠር ዘሎ ተኽኒ፣ ከምኡ እውን ተጋሩ ኢትዮጵያ ከይትፈርስ ዓሚር ስለዝኾንና እምበር ክሳብ ሎሚ ዝፀንሕ ዋኒን እውን ኣይነበረን፡፡

እቱ ጉዳይ ግን ዘይተርፈካያ ጋሻስ ኣጥቢቕካ ስዓሞ እዩ፡፡ ኣጉል ትግራይ ክትህሰ፣ ብፍሉይ ዝጉዳእ ሰብ ክጉዳእ እምበር ኣሜሪካ መስቀል ዘዕረፈትሉ ኣጀንዳ ግዜ ትቕይረሉ እምበር ኣብዙ ቦታ እዚ ገዲፋቶ ኣይብሃልን፡፡ ብምዕራባውያን ዝመፅእ ደገፍን ማህሰይትን ድማ ቐሊል ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ቐዳማይ ነገር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ይኹን ኢትዮጵያ ረብሓ ኣሜሪካ ክሕሎ እንተኾይኑ ብሄራዊ ረብሓና ሓልውልና! ካልኣይ ነገር ምስ ዝኾነ ይኹን ኣካል ፍሉይን ሴራውን ኣጀንዳ ከም ዘይብልካ ኩሉ ግዜ እውን እንተኾነ ክርድኡኻ ምግባር እዩ፡፡ ንሕና ንኣሜሪካ ከይተበለፀትልና ክንብለፀላ ንሓስብ ፈለምቲ ኣይኮናን፡፡ እስራኤላውያን ምስ ካልኦት ህዝብታት ዝገብሩዎ ነገር ንባዕሎም ዝምልከት ኾይኑ፡ ማሓዙት ኣሜሪካውያንን ሩሲያውያንን እዮም፡፡ ኣብ ኣውሮፓ ይኹን ኣብ ኣሜሪካ፣ ኣብ ሩሲያ ኮነ ኣብ ካሊእ ዓለም ነቱ ዓለም መሲሎም ይነብሩ፡፡

ሙሁራን ኣሜሪካውያን እስራኤል ዘይፍትሓዊ ተጠቃሚት ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ እያ ክብሉ ኩሉ ግዜ ይኸሱ፡፡ ኣብዚ “…..ኩሉ ግዜ ብማእኸላይ 3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ፣ ብማእኸላይ 10.2 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ በቢዓመቱ ትወስድ…” ዲፕሎማሲ 360 ድግሪ ኣብ ዝብል መፅሓፍ (መብራህቱ፡ 2015) ብመፅናዕቲ ፕሮፌሰር ስቴፍን ኤም ዎልትን ፕሮፌሰር ጆን ጄ.ሜርሻይመርን ዝተረጋገፀ ሓቂ ንረክብ፡፡ እዚ ማለት ዓመታዊ ይትረፍ ’ሞ ብሓገዝ 3 ቢልዮን ዶላር፡ ዋላ እውን እቱ ዓመታዊ ተሪፉ፡ ብልቓሕ 3 ቢልዮን ዶላር ንሓደ ዓመት ተትረክብ ትግራይ እንታይ ምኾነት ንሕሰቦ፡፡ ከባቢ 36.15% ናይ ኢትዮጵያ በጀት 2017ዓ/ም ማለት’ዩ፡፡ እዚ ብሰንኪ ዘይምርዳእና ዝተርፈና ዘሎ እዩ፡፡

እኳ ድኣ እቶም ናይ ውሽጥና ኣኽላብ ንህዝብና ኣየብልዑዎን እምበር፤ ኣሜሪካ ንትኣምነሉ መሻርኽታ ከመይ ከም ትድግፍ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ብውሑዱ ሙሉእ ብሙሉእ መሻርኽታ ገይራ ከይሓዘትና ብኣሉታዊ ጎኑ እውን ከይረኣየትና ዝተፈፀመ እዩ፡፡ ኣምፂናዮ ዝብሃል ልምዓት ’ኮ ናይ ምዕራባውያን ለገስቲ ትካላትን ኣካላትን በጀት ሚና ቐሊል ኣይነበረን፡፡ ካብ ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ክሳብ ስልጠና ሰብ ሞያ (ልምዓት ሓይሊ ሰብ) ልምዓት ትካላት ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ምግቢ ውሕስና፣ ልምዓት መስኖን መስተ ማይን ወዘተ ትርጉም ዘለዎም ስራሕቲ ተሰሪሖም ነይሮም፡፡

እቱ ሓቂ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቓቐስኩዎም ነጥብታት ዝምስክሩዎ እናሃለዉ ብወገን ህወሓት ግን ኣብ ገፅ-29 “….ፈተና ፀላእና እታ ዋና ፀላኢትና ኣሜሪካ እያ፡፡ እዚ ማለት ግን ኣሜሪካ ፀላኢትና ኢኺ ኢልና ክንእውጅ ማለትና ኣይኮነን፡፡….” ብምንታይ ድኣ እዮም ዝነግሩና ዘለዉ? ኣዳላዊ እዙ ፅሑፍ ኣብቲ ኣኼባ ወይ ክዓ ምድላው ሰነድ ኣይነበረን፡፡ ግን ድማ እታ ብዓልቲ 34 ገፅ ሰነድ ረኺቡዋ ኣሎ፡፡ ምስ ኣዳላዊ ፅሑፍ ዝረኸቡዋ ብውሑዱ ልዓሊ 21 ሽሕ ሰባት ኣለዉ፡፡ ኣብ ላዕሊ እዙ ፅሑፍ እውን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እንዳሰጣሕኻ ምሽጥርን ፖሊቲካን የለን ኢሉ ነይሩ፡፡

ብኻሊእ ኣገላልፃ ኣሜሪካ ካብ ዋና ፀላኢትና ምግባር ዋና ፈታዊትና ምግባር ዶ ኣይምሐሸን ዝብል እዩ፡፡ ክልቲኡ ንገብሮ ባዓልና ስለዝኾንና፡፡ ነዚ ክብሃል ዲፕሎማሲ 360 ድግሪ ዝብል መፅሓፍ ዲፕሎማሲያዊ ዓቕሙ ከዕቢ ንህዝቢ ትግራይ ተወፈያ፡፡ ግን ድማ ብዙሕ ኣይከደትን፡፡ ኣብ ኢድ ብዙሓት ኣይበፀሐትን፡፡ ኣብዛ መፅሓፍ ኣሜሪካ ብፁእቲ እያ ዝብል ኣይኮነን ዘለዋ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲ ከመይ ጎልቢቱ ይወፅእ እያ ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ተቕርብ፡፡

“…እቶም ዝገጠሙልና ሓይልታት ሎሚ ኾይኖም ንኣማኢቲ ዓመታት ዝእምቱ እዮም፡፡ ንሕና ግን ዕድመ ስልጣንና እኳ ዘይንጭርስ ናይ ፅባሕ ዘይንእምት ፍጥረታት ኢና፡፡ እዙ ሽግር እዚ ምስ ምድኻም ፖሊቲካዊ ስራሕትና ተሓዊሱ እዩ ዝጋደድ ዘሎ፡፡ ስለዚ ኣብ ፖሊቲካዊ ስራሕትና ሰፊሕ ስራሕ ይሓትት….፡፡” ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ታሕተዋይነት ስምዒት ይመስል፡ ኣጉል ሓርበኝነት ዘንፀባርቕ ኣካይዳ ምኻድ፡፡

ምስ ዝሐሸ ዓቕሚ ዘለዎ ትማሓዘ እምበር ምስ ዝሐሸ ዓቕሚ ዘለዎ ዘታኽነካ ምኽንያት እንታይ ከም ዝኾነ ግልፂ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ዘቕርቡዎም ጠለባት ክሳብ ዝርድአና ተፀበዩና ምባል፡፡ ሰፊሕ ናይ መፅናዕቲ ወፍሪ ምክያድ፡፡ ነቱ ተካይዶ መፅናዕቲ ዝሽፍን ምሕዝነታዊ በጀት ምሕታት፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ ጥንታዊ ሰብ ኩሉ ነገር ብዓይኒ ጥርጣረ ዝርኢ ኩሉ ነገር ብዓይኒ ጥርጣረ ምርኣይ ከም እኒ መራሒ ኣልባንያ ነበር ኢንበር ሆጃ ባህታዊ ኢኮኖሚ ክትሃንፅ ተዓፂኻ ምሟት እዩ ዕፃኻ፡፡

ኣብ ውድቀት ፖሊቲካዊ ስራሕቲ ህወሓት እውን እንተኾነ ኣብ “ያለ መግባባታችን ምክንያት!” እትብል መፅሓፍ ሕታም 2012ዓ/ም ከም ዝተገለፀ፡ ኣብ ኦሮሚያ ርእሰ ምምሕዳር ዝነበሩ ሙክታር ከድር ብስእነት ሰናይ ምምሕዳር ህዝቢ ብዓመፅ ኦሮሚያ ሕምስምስ ምስ ኣበላ፤ ናብ ፌዴራል መፂኡ ሚኒስትሪ ክላስተር ሰናይ ምምሕዳር ኮይኑ፡፡ ኣብ ኦሮሚያ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ዘይነበሮ ብሃገር ደረጃ ምሻም እቱ ሽግር ሃገራዊ ሽፋን ክህልዎ ድዩ ዝድለ? ዝብል ነይሩና፡፡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ብዓል መዚ ክፍሊ ፕሮፖጋንዳ ካብ ተራ ማእኸላይ ኮሚቴ ናብ ፈፃሚ ስራሕ እንትድይብ፤ እቱ ኣብ ክፍሊ ፖሊቲካ ዘምፅኦ ውድቀት ናብ ሓፈሻዊ ውድባዊ ውድቀት ከዕብዮ ድዩ ዝብል እውን ነይሩና፡፡

ብሓፈሽኡ ኣብዚ ኣፈላላይ የለን፡፡ እቱ ኣፈላላይ ፖሊቲክኡ፣ ፖሊሲኡ፣ ስትራቴጂታቱ፣ ሕገ-መንግስቱ ክሕሉ ዘይኽእል ውድብ፤ ህዝብን ዓድን ኣይሕሉን፡ ይልቀቕ እዩ እቱ ጠለብ፡፡ ዝተኣሳሰረን ዝተኣላለመን ፀገም፣ ብብዙሓት ውድቀታት ከሕትቱ ዝኽእሉ ገበናትን ዘጠልቀየ መሪሕነት፣ ካብ ናብ ምትፍናን ወጥርን ስትራቴጂካዊ ምምችቻው ተገይሩ፡ ድሑርን ቕዱምን ኮይንካ ተሰለፍ፡፡ ናብ ቕድሚት ወረም ወረም ኣይትበል ትብሎ ኽሳደይ ንበላሕ ይብል፡፡ ዋእ እሞ እዚኣማ ውልቀ ሰብ ዋጋ ከይትኸፍል ዓድን ህዝብን ዋጋ ኣይንኸፍልን! ተመዓራረ ክብል ዘለዎ እቱ ህዝቢ እዩ፡፡

እቱ ኻሊእ ክሲ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ባዮሎጂካላዊ ውግእ ወይ ክዓ ስነ-ህይወታዊ ውግእ እዩ፡፡ እዚ ብወገን ፀሓፊ እውን ኣብ 2012ዓ/ም ዝተሓትመ መፅሓፉ ኣንፀባሪቑዎ ነይሩ፡፡ ብገለ ክፋሉ “ህልም ኣጨናጋፊዎች” ኣብ ዝብል ናይ ግደይ ገብረ ኪዳን መፅሓፍ “የዓለም ኣንድ ስርዓት” ኣብ ዝብል ንኡስ ርእሲ ዘሎ ኾይኑ ብገለ ክፋሉ ግን ህወሓት እንተትረኽቦስ ተቓወምተይ ንእትብሎም ኣይምተጠቐመትሉንዶ? እውን ሕቶይ እንድዩ፡ ዝኾነ ኾይኑ፡ ብማይክሮ ቺፕስ፣ ብስነ-ህይወታዊ ክትባት ብዝመስል ኣዋሃባ መድሓኒት፣ ክመፅእ ዝኽእል ሓደጋ ምህላዉ ሓደ ነገር ኮይኑ፡ መንግስቲ ትግራይ ናብ መቐለ መፀ ኣይመፀ ሲ እንታይ ለውጢ ዘምፅእ ኾይኑ እዩ? መቼም መንግስቲ ላቦራቶሪ ቴክኒሻን ኣይኮነን፡፡ እቶም ናትና ቴክኒሻናት እውን ክንድዚ ዝተራቐቐ መድሓኒትን ክትባትን ሓደገኛ ኬሚካል ምህላዉን ዘይምህላዉን ከለልዩ ኣይኽእሉን፡፡

ካሊእ እቱ ፅሑፍ ኮሮና ብኣሜሪካ ከም ዝተዳለወ፣ ንቻይና ታርጌት ከም ዝገበረ፣ ባጋጣሚ ቻይና ብዝድለ መንገዲ ዘይተሰዓረት ምትራፋ፣ ኣሜሪካን ሃፋትማን ግን ንደቂ ሰባት መርዝታት ከም ዝኾኑ፣ ወዘተ ይዝርዝር፡፡ እዚ ምዃኑ ንዓለም ዘይሕባእ ጥርጣረ ’ኳ እንተኾነ፡ በቢዝተሓመዩዎ ኣሜሪካውያንን መንግስቶምን ምስጣሕ ዘምፀአልካ ረብሓ ዶ ይበልፅ ዝፈጥረልካ ናይ ምፅልላእ ምሬት፡፡ እዚ በመሰረቱ ንህወሓት ከም ፖሊቲካዊ ትካል ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ጉዳኢ መንገዲ እዩ፡፡

ገባር፣ ሙሁር፣ ነጋዳይ፣ ተማሃራይ፣ ዲያስፖራ፣ ከምኡ እውን ምልኣተ ህዝቢ ትግራይ ስርሑ ከይሰልጥ መገልገሊ ቦታታቱ ሸንኪሩ ሒዙ ዝዕንቅፍ ድዩ ፀላኢኡ? ይኸውን ያ ይኸውን ፀላኢ ኣብ ማዕዶ ዘሎ? በቶም ንኣሜሪካ ትኸሰሰሎም ዘላ ነጥብታት ህወሓት ባዕላ ኸ ኣይትጥቀመሎምን ማለት ድዩ ዓቕሚ እንተረኺባ? እንዲያወም ኣዳለዊ እዙ ፅሑፍ ከም ዝኣምኖ እንተኾይኑ፡ ህወሓት ናይ ኦክስጅን ሕፀረት ዘስዕብ ቴክኖሎጂ ዝሸጠላ እንተትረክብ ኣብ ገዛ ሕድሕድ ተቓዋሚ ይኸውን’ዩ እትብሎ ገዛ ተኺላ ዘይኣገሉ ግለ ባህሪኡ ባህ ዘይበላ ኩሉ ዘፍ መበለቶ፡፡

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ክልተ መልክዒ ንሓደ ነገር ክጥቀሙ ትርኢ፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን መበል 14 ጉባኤ ህወሓት 16 ማእኸላይ ኮሚቴን ቁፅፅር ኮሚሽን ህወሓት ከም ኣካልን ኣብ ጉባኤ ኣይንኣቱን ኢሎም፡፡ ነዚ ዝካየድ ብኹሉ ማእኸላይ ኮሚቴ ፍንጫል ዶ/ደብረፅዮ ህወሓት ዝስበኽ “….ንምንታይ ናብ ጉባኤ ኣትዮም ዘለዎም ሓሳብ ሒዞም ዘይከራኸሩ? እንተስዒሮም ይስዕሩ እንተተሳዒሮም ድማ ይስዓሩ፡፡…” ክብሉ ንሰምዖም፡፡ ኣብኡ እዚ ኣብ ዝተዛረቡሉ ኣኼባ ከይወፁ ድማ “…ኣብ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ንበይንና ዓፅዮም ቂቕ ከብሉና ሓሲቦም ኣብዚኣ ኢና ንውድኣ ይብሉና ነይሮም፡፡ ውድብና ንምድሓን ብሽምግልና ምክትልነት ሂብና፡ ቀስ ኢልና ብብልሓት ናብ ፍሉያት ተኣመንቲ ኣባላትና ኣብፂሕናያ፡፡ ኣብኡ እንተንውስን ድኣ እንታይ ኣለና ኣረኪብና ’ኮ፡፡…” እናበሉ ይምድሩ፡፡

ካሊእ ኣብ ትሰዓረሉ መድረኽ ኮፍ ኢልካ ምዝርራብ መዋፅኣይ እንተኾይኑ ድኣ ንምንታይ ካብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን፣ ካብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ወፂኦም? ዝብል ሕቶ ዘቕርብ ብሎጂክ ዝሙጉት ዘይኮነስ ዝመረረ ፀላኢ ከም ዝኸውን ሕቶ የብሉን፡፡ ግን ድማ እቱ ሓቂ ሓደን ተመሳሳልን እዩ፡፡ በዙ ኣዘራርባ እዚ ንሶም ሰብ ብልሓት ካሊእ ደንቆሮን ተገራሃይን ምዃኑ እዩ፡፡ ወይ ክዓ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ንሶም ካብ ትግራዋይ ማህፀን ዝተረኸቡ ካሊእ ሰብ ካሊእ ማህፀን ዘፍረዮ ምዃኑ እዩ፡፡ ’ከሳሲ ናይ ተኸሳሲ መልሲ ተዝፈልጥ ኣይምኸሰሰን’ ዝብሃል ኣብሃላ ኣሎ፡፡

እዚ ከም ዘሎ ኾይኑ ኣብ መጠቓለሊ እዛ ብዓልቲ 34-ገፅ ሰነድ እውን ነዞም ዝስዕቡ ሓቅታት ሒዛ ትርከብ፡፡ “…ፀላእትና ኩሉ ግዜ መእተዊኦም ናትና ድኹም ጎንን፡ ንሕና ብንፈጥሮ ነዃል’ዩ፡፡ እቱ ሐዚ ኣብ ሃገርና ዝተፈጠረ ሕገ-መንግስታዊ ቅልውላውን ስዒቡ ዝመፀ ዅናትን እውን ንሕና ዝፈጠርናዮ ነዃል’ዩ፡፡…” ይብል፡፡ ስለዚ ናይቱ ተፈጢሩ ዘሎ ሕገ-መንግስታዊ ቅልውላውን ጄኖሳይዳዊ ኲናትን ህወሓት ዝፈጠሮ ምዃኑ እንድሕር ኣሚኑ ካሊእ ካብዚ ዝምንጩ ካብ ዝንኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ነገር ኩሉ ተሓታትነት ይወስድ ማለት’ዩ፡፡ ስለዚ እዩ ተሓታትነት ዘስዕብ ጥፍኣት ዝፈፀመ ሓይሊ ከይሕተት ስልጣን ክሕዝ ዘዕገርግር ዘሎ፡፡

ካሊእ እቱ ናይ መለስ እኽልን ማይን ነይሩ ዝብል ኣዳላዊ ፅሑፍ ብእኹል መጠን ኣብ ላዕሊ ገሊፁዎ ስለዘሎ ኣብዚ ክዘሎ ተገዲዱ ኣሎ፡፡ “..…ኣብ ኣሰላልፋ ሓይልታት ፈሊጥና ተዘይመሪሕና ከም ህዝቢ ክንጠፍኢና (ቀጥተኛ ሓረግ ኣይኮነን ገፅ-33) ፡፡ እንትቕፅል ድማ ኣብዙ ኲናት ብሓባር ዝተሰለፉ ሓይልታት ኣለዉ ብሽሞም ንምጥቃስ፡ እስራኤል፣ ኣሜሪካ፣ ኢማራት ዓረብ፣ ሱዑድ ዓረብ፣ ሱዳንን ግብፅን እየን፡፡……” ክብል የቕምጥ፡፡

ኣብዚ ብኣታሓሳስባ ክፅግመካ ከሎ ኹሉ ነገር እንድዩ ዝፅግመካ፡ ናይ እስራኤል ጉዳይ ፈልየ ከልዕል፡፡ እስራኤል ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ከም ዝገለፅኩዎ ኣብ ኲናት ኢትዮ-ትግራይ እንተኣቲያ እውን ዝኣተወት ኣብቱ ኲናት ንዘለዉ ተራፀምቲ ሓይልታት ታርጌት ገይራ ኣይኮነትን፡፡ እንታይ ድኣ? ናይ ፀላእታ ዓቕሚ ክትግምግም ኢያ እትኣቱ፡፡ ናይ ኢራን ኣፅዋር ኣብ ከምዚ ዝብለ መድረኽ እንድሕር ዘይፈትሻቶ ብቐጥታ ዕድጊት ዘይክትረኽቦ ስለትኽእል፡ ኣቲያ ገምጊማ፣ ፈቲሓ ገጢማ፣ ፎቶ ኣልዒላ፣ ርእይቶ ሂባ ክትወፅእ ትኽእል፡፡ ካብዚ ወፃኢ ኣጀንዳ የብላን ኣይህልዋን እውን፡፡

እስራኤል ልዕሊ ዘድልያ ፀላእቲ ኣለዉዋ፡፡ ምስ ፈተውታ ሃገራትን ህዝብታትን ዘባልዕ ወልፊ የብላን፡፡ ሱዳን እውን ኣብ ላዕሊ ገሊፀዮ ስለዘለኹ ኣብዚ ክሓልፎ፡፡ ኣብ ካልኦት እወን እቱ ዝደፍአን ሓቃዊ ደፋኢ ነገር እንታይ እዩ ስለዘይፈልጦ እምበር ካብ ጌጋ ዝሓልፍ ኣይመስለንን፡፡ ግን ድማ ጌጋ ንምባል እኹል መርትዖ ስለዘየዳለኹ ንመርኣያ ኣቕሪበ ኣለኹ እኹል እዩ፡፡ ናይተን ካልኦት ብኻልኦት ፀሓፍቲ ይፈተሸ፡፡ እስራኤል ኢትዮጵያ ብፍላይ ንትግራይ ብልምዓት መስኖ ንምሓጋዝ ዓብይ ትልሚ ነይሩዋ እዩ፡፡ ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲ እውን እንተኾነ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተለዋጢ ኣባል ክትከውን እንትትወዳደር እስራኤል ንኢትዮጵያ ድጋፍ ሂባ እያ፡፡ ትግራዋይ ዶክተር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ትካል ጥዕና ዓለም እንትወዳደር እስራኤል ድጋፋ ንዶክተር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ሂባ እያ፡፡

እቱ ሓቂ እዚ እናሃለወ ንእስራኤል ብፀላእነት ምንውንጃል ዘይቅቡልን ዘይምኽንያታውን እዩ፡፡ እቱ መድሕናትና ኢራን፣ ሩሲያን ቻይናን እየን ዝብል መትከል ክመስሎም ንምንታይ ይኽእል ክንብል ኣይንኽእልን፡፡ ዝጋገ ሰብ ተዘይህሉ ትኽክለኛ ሰብ ዝብሃል ኣይህሉን፡፡ ስለዚ ህወሓት ከም ሓደ መንገዲ ጥፍኣት ዓትዒቱ ዝሓዘ ውድብ ናይ ስነ-ምዑሩይነት ፀገም ዘለዎን ኣብ ግዕዝይና፣ ፀረ-ዴሞክራስን፣ ስትራቴጂካዊ ጌጋታቱን ዓትዒቱ ሒዙ ኣብ ውሑሉልነት ዘይኮነስ፡ ኣብ ትኽረት (ኣጉል ድኻም) ዝነብር ውድብ እዩ፡፡

ኣብዚ ህወሓት ዓብዪ ኣንኢስካ፡ ዓብዪ መሲልካ ክትረአ ምድላይ ዝፈጥሮ ሕዱር ሕማም እንድዩ፡ ኣብ ታሪኽ ንግስተ ሳባ፡ ክሃስስ ካብ ዝተደለየሉ ሓደ ናይ ህወሓት ታሪኽ መተካእታ ኣልቦ ንምግባር እዩ፡፡ እስራኤል ትኽሰሰሉ እውን ካብዚ ከም ዘይዘልል ፍሉጡ’ዩ፡፡ ኣዳላዊ እዙ ፅሑፍ ብውልቁ ከምዚ ዓይነት፡ ኣካይዳ መጥፍኢ ዓዲ እዩ ኢሉ ይኣምን፡፡ ትኽክልዩ ድማ፡፡

ዲፕሎማሲ ህወሓት ምስ ኢራን፣ ሩሲያን ቻይናን ክሳብ መወዳእታ ጠጠው እንትብል ህዝብና ካብ ፀጋታት ልምዓት፣ ዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን፣ ፍትሕን ሰላምን ምዕራባውያን ነፂልካ ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ሂዝቦላህን ሃማስን ካብ ምዃን ዝዘልል ትርጉም ዘለዎ ምዑሩይ ነገር ንህዝብና ከምፅእ ይኽእልዩ ዝብል እምነት የብለይን፡፡ ካብዚ ከይወፃና ቻይና ዊንግ ሎንግ እትብሃል ድሮን ልኢኻ ትቕጥቅጦም ከም ዘይነበረት ከመይ ገይሮም ፈታዊት ይብሉዋ ከም ዘለዉ ንባዕሎም ዝምልከት ኮይኑ፡ ድሮናት ኢራንን ቻይናን እንቋቑሖ ደኾን እየን ዝልእኻሎም ነይረን ዘብል’ዩ፡፡ እተን ተተኳሲ ብምልኣኽ ዝሓገዛ ገዲፍካ ካልኦት ምኽሳስ ወይ እውን ንማዓረ ሓገዝቲ ኣፅዋር ውግእ ዝተፈላለየ መለክዒ ምጥቃም ናይ ስነ-ምዑሩይነት ፀገም ይመስለኒ፡፡

“ሐዚ ዘድልየና ወታደራዊ ሓይልን ናይ ቁጠባ ሉኣላውነትን’ዩ፡፡ እዚ ድማ ዝህነፅ ሒዝናዮ ብዝመፃና ስርዓት (በወያናይ ዴሞክራሲ) እዩ፡፡…” ኣብዚ ዝኾነ ፖሊቲካዊ ትካል የቃልሰኒ ዝብሎ ኣይዲዮሎጂ ምምራፅ ነቱ ውድብ ዝምልከት ኮይኑ፡ ወያናይ ዴሞክራሲ ማለት ባዕሉ ዝተዋቐዐ ኣጠቓቕማ እዩ፡፡ ወየነ ማለት ዓመፀ፣ እምቢ በለ ማለት’ዩ፡፡ ስለዚ ወያናይ ዴሞክራሲ ማለት ዓመፀኛ ዴሞክራሲ ማለት’ዩ፡፡ ዓመፅን ዴሞክራስን መልክዖም ዝተፈላለየ እዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲ ዝዓመፀ ውድብ ወይ ክዓ ብናይ ኣብዝሓ ሰዓራይነትን ናይ ዉሑዳት መሰልን ዘይኣምን ውድብ ፖሊቲካዊ ስራሕቱ ከመይ ከም ዘስጉም ኣፀጋሚ እዩ፡፡ ነዚ እዩ ፖሊቲካ ትግራይ መመሊሱ ዝዕየን ዘሎ፡፡

ባዕሎም ይጋገዩ’ሞ፤ ንጌግኦም ተኸሳሲ ይደልዩሉ፡፡ መሕዘንቲ ፍጥረታት፡፡ ብዓመፅን ዕግርግርን ዝህነፅ ቑጠባን ወታደራዊ ሓይልን ድማ የለን፡፡ ኣሜሪካን ኣሜሪካ ነክ ነገራትን ዘፍርሕ ሕማም ዝሓደሮም ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ካሊእ ናይ መከራ ዑደት እምበር በረከት ሒዞም ዝመፁሉ መንገዲ የለን፡፡ እዚ ኣዳላዊ እዙ ፅሑፍ ክብሃል ስለዘለዎ ዝብሎ ዘሎ ኣይኮነን፡፡ እቱ ሓቂ ንሱ ስለዝኾነ እዩ፡፡

ኣብ ሙስና ዝጣሓለ ካድረ፣ ውልቀ ስጋዊ ህይወቱ ከልምልም ዝብህግ ኣመራርሓ፣ ኣባል ክሳብ ዝኾንካ ዝገበርካ ግበር ኣባል ጥራሕ ኹን ዝብል ዋስትና ዝረኸበ ወንጀለኛ፣ ዝቐረበ ክሲ ይቕረብ ናይ ህወሓት ቐፃልነት እንተ ኣረጋጊፅካ ፀገም የለን ዝተብሃለ ኣባልን ኣዛዚ ሰራዊትን፣ ነገራት ፈላልዩ ዝርኢ ከም ተንኮለኛን ኣብ ልዕሊ ህወሓት ሴረኛ ዝቖፅር ፖሊቲካዊ ትካል ኮይኑ፣ ህዝበይ ዝብሎ ኣባሉ እምበር መላእ ህዝቢ ትግራይ ዘይኮነ እንተኾይኑ እውን “ብፓሮኪያል ፖሊቲክስ” ሰባት ሒዙ ናብ ህዝብና ዝነጥብ ጥር ዝብል ነገር ኣይክህሉን፡፡

እኳ ድኣስ ከም መጫጭሒ እንቋቑሖ መመሊሱ ብዝፍልፍሎም ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣካሉ፣ ንብረቱ ህይወቱን ሃላዋቱን ንሓደጋ እናተሳጥሐ፡ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ፡ እልፊ ፀላእቲ ህወሓት ተሓዊሶምዎ ሕሉፍ ጌግኦም ኣሪሞም ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ገፅ ምድሪ ከጥፍኡዎ ክመፁን ህዝቢ ትግራይ ድማ ደጋውያን ፀላእቱ ከይከላኸል ኣብ ውሽጡ ብዝፈጥሩዎ ዘይምትእምማን ሓይሉ ናይ ምድኻም ሚና ክፃወቱን ግዜን ዕድልን ምሃብ እዩ፡፡

ኣብ ትግራይ ብህወሓት መዋቅራዊ ችግር እዩ ተፈጢሩ ዘሎ፡፡ መዋቅራዊ ፀገም ማለት ትካላዊ ውህደት ዘይምህላው እዩ፡፡ ኣብ ሞንጎ መንግስታዊ ትካልን ውድባዊ ትካልን ክፍተት ምስተፈጠረ እቱ ወታደራዊ ትካል ብገለልተኝነት ዘይምርኣዩ ነቱ ፀገም ክትሓላለኽ ገይሩዎ፡፡ ብዝተፈለየ መንገዲ ምርኣይ ዝሓትት’ዩ ነይሩ፡፡ ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብህወሓት ተጀሚሩ ዝነበረ ነቱ ኣኽሱማዊ መሰረት ዘይጥዕሙን ዘይምጥኑን ኣካይዳታት ነቱ ሎሚ ዝመፀ ርሾ ገደፊፉሉ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተደፊኡ፡፡

ኣኽሱማዊ ናይ ኢኮኖሚ ሰረት ታሪኹ ዝነግረና ንግዲ፣ ኣርክቴክቸር ስነ-ህንፃ፣ ካልኦት ስራሕትን እምበር ኣግራሪያን ወይ ሕርሻዊ ስራሕቲ ከም መለለይኡ ኾይኑ ኣይፍለጥን፡፡ ነዚ ገዲፉ ሕርሻ ዝመርሖ ብዝብል ንትግራዋይ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ብዝኾነ ኢኮኖሚ ክናበር ገይሩዎ፡፡ ነዚ ስዒቡ ከም ናይ ለውጢ ሓይሊ ኾይኑ ዝመፀ ማእኸላይ መንግስቲ ምዕባለ ከተማታት መሰረቱ ዝገበረ ምንቅስቓስ ክገብር ንርኢ ኣለና፡፡

እዚ ብገለ ወገናት ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ እዋናዊ ኩነታት ኣብ ዳርጋ ኩለን ከተማታት ኢትዮጵያ ይምዕብል ብዘሎ ልምዓት ከተማን ምፍንቓል ነበርትን “Urban politics” ዝብል ስያመ ኣሎ፡፡ ግን ድማ ሓፈሻዊ ቁመና መንግስትን ታሪኽ ዝነግረናን፡ ናይ ከተማ ፖሊቲካ ዘይኮነ “Demographic politics” ወይ ክዓ ናይ መልክኣ ምድራውን አሰፋፍራ ህዝብን ፖሊቲካ እዮም ዝኽተሉ፡፡ ስርዓት ደርጊ ብሓፈሳ ካብ ዓዱ ናብ ኻሊእ ዓዲ ብሰፈራ መልክዕ ህዝቢ ይብተን ነይሩ፡፡ እቶም ንኢህወዴግ ኣውዲቖም ዝመፁ ድማ ካብ ዝተበተኖ ናብ ትውልዲ ዓዱ ክምለስ ብምግባር ከፈናቕሉዎ መፂኦምን ኣለዉን፡፡ እዚ ሓደ ነገር እዩ፡፡

እቱ ኻሊእ ድማ ካብ ታሪኽ ዝተማሃርናዮ፡ ናይ ስልጣነታት ጎንፂ እዩ፡፡ ናይ ሴማውያን ስልጣነ ጨቆናይን መዝማዛይን ዋላ እንተነበረ ኩሎም ከባብታት ብምስልጣንን ዝነበሩ ስልጣነታት ኣፍልጦ ብምሃብን ዝፍለጥ እንትኾን፤ እቱ ናይ ኩሽ ስልጣነ ግን ፈላማይ ስርሑ ነቱ ስልጣነ ሴማውያን ብምፍራስ’ዩ ዝጅምር፡፡ እዚ እንድሕር ዘይኮይኑ ናይ ታሪኽ ሙሁራን ክነግሩና ይኽእሉ እዮም፡፡

ናብ እዋናዊ ኩነታት እንትንምለስ ቐዳማይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም መዋቅራዊ ጎንፂ እዩ ዘሎ ዝብሉ ኣለዉ፡፡ 4+ ዝኾኑ መዋቅራዊ ትካላት ኣይተዋሃዱን፡፡ 1ይ) መንግስታዊ ትካል (ርእሰ-ምምሕዳር ዝመርሖ)፣ 2ይ) ውድባዊ ትካል (ውድብ ህወሓት ዝመርሕ ፖሊቲካዊ ኮሚቴ)፡ 3ይ) ወታደራዊ ትካል(ጄ/ል ታደሰ ወረደን ፍስሃ ማንጁስን ዝመርሑዎ)፡ ብቤት ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን (ንኡስ ትካል ዝምራሕ እዩ)፣ 4ይ ዘይተወደበ ሲቪል መንእሰይ ደላዪ ለውጥን፤ ለውጢ ዘይቕበል ዝተወደቡ ዓበይትን እዮም፡፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ መሰረታዊ ፀገም ትካላዊ ጎንፂ “Structural Violence” እዩ፡፡

እዚ ድማ በውልቀ ሰብ ደረጃ ብናይ ጉጅለ ደብረፅዮን ተቐየረ ጉጅለ ጌታቸው መፀ ዝፍታሕን ዝውሳሰብን ኣይኮነን፡፡ ዝመፀ እንተመፀ ኣብዚ እቶ ዝብሃል ትርጉም ዘለዎ ፖሊቲካዊ ለውጢ ኣየምፅኡን፡፡ እቱ ለውጢ ዘምፅእ ፖሊቲካዊ ዕርቂ ወይ ክዓ “Political Reconciliation” እዩ ዝፈትሖ፡፡ ምኽንያቱ እቱ ግንፂ ስረ-መሰረቱ ክልሰ-ሓሳባዊ ጎንፂ እዩ፡፡ ክልቲኦም ንሽፋን ህወሓትነት ኣይለቐቑን፡፡ ክልቲኦም ብጓሮ ብናይ ባዕሎም ኣካይዳ ዝሓዙዎ ለውጢ ኣሎ፡፡

እቱ ኻልኣይ ናይ ፌዴራል መንግስቲ ኣታሓዛ እዩ፡፡ ኣብኡ ዘሎ ርክብ ድሕሪ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ “ኣብይ ኣብ ትግራይ ኢዱ እንተእቱ ርእሰ ምምሕዳር ጥራሕ እዩ ይኹን ኣይኹን ዝበለ እምበር፡ ናይ ስራሕ ፍሰት ኣብ ግምት ኣእትዩ እዚ ኣብ ትሕቲ እዚ ኣይበለን” ዝብል ክሲ ይቐርብ’ዩ፡፡ እዚ ጌጋ እዩ፡፡ ምኽንያቱ እቱ ግዚያዊ ምምሕዳር ሓላፍነት መንግስትነት ክትህቦ ከለኻ ነቱ ሓላፍነቱ ዝዋፀአሉ ስልጣን ሓቢሩ እዩ ዝውሃቦ፡፡ ሓላፍነት እንትወስድ ስልጣን ይወስድ ተሓታትነት እውን ሓቢሩ ይወስድ፡፡

ኣብ ትግራይ ሓደ ዝተለመደ ማሕበረሰባዊ ናይ ስነ-ምዕሩይነት ፀገም ባህሊ ከይኸውን አውን ሓደ ሓደ ግዜ ይሰግእ፡፡ ርግፀኛ እየ እቶም ንጌታቸው ዝኸሱዎ እውን ’ኮ ስልጣንን ተሓታትነትን ምስ ሓላፍነት ሓቢሮም ዝውሰዱ ምዃኖም ዝጠፍኦም ኣይመስለንን፡፡ እዚ ዝጠፍኦም እንተኾይኑ ኣነ ይነግሮም ኣለኹ፤ እንተዘይ ኣሚኖም ኣብ መፅሓፍቲ ኣመራርሓ ስራሕ ብቐሊሉ ከንብቡ ይኽእሉ እዮም፡፡ ኣብ ከባብታት 1990ዓ/ም ዝወፀ ናይ እኒ ብርሃኑ ወርቁን ንጉሰ ሃፍተየሱስን መፅሓፍ ሪፈር ይግበሩ እኹል’ዩ፡፡

እቱ ውዕሊ እንትስማዕምዑ ካብ ዘለዉ መሰረታዊ መትከላት ሓደ “ኩሉ ነገር ብሕገ-መንግስቲ መሰረት ይውዳእ” እንድዩ ዝብል፤ እዚ እንድሕር ኾይኑ ትካላት ፈፃሚ ኣካል ትግራይ ተፀዋዕነተን ናብ ርእሰ ምምሕዳር ወይ ፕረዚደንት እዩ፡፡ እዚ እንድሕር ኾይኑ ናብ ሕገ-መንግስታዊ መስርሕ ክትኣቱ ከለኻ ግዚያዊ መንግስቲ ናይቱ ክልል መንግስቲ ቕድሚ ዅናት ዝነበሩዎ ሓላፍነት፣ ስልጣንን ተሓታትነትን ይህልዎ፡፡

ክጠቕሞም ዝኽእል እንተመሲሉዎም ሕጊ-ነኽብር ኣለና ይብሉ፡፡ ዝጎድኦም እንተመሲሉዎም ድማ ዘይሸምካዮ ኣይተእግድን ይብሉ፡፡ እያኣይ ባ ዕልዋ መንግስቲ ዘንቀሳቕስ ኣዛዚ ቐይሕ ምንፃፍ ገይሩ እዩ እምበር ክቕበሎ ነይሩ፡፡ ቕድሚ ጌታቸው ነቱ ተሓታነት ደርብዮም ስልጣን ጥራሕ ይጥቀሙ ነይሮም፡፡ ኣብ ጌታቸው ምስኮነ ድማ ነቱ ስልጣን ኣሕዲጎም ብታሓታትነት ክፃወቱ ይሙኩሩ፡፡ እዚ ምጭብርባርን ናብ ማሕበራዊ ምትእምማን ዘየምርሕን እዩ፡፡

ኣብ ሞንጎ እዚ ሓደ ነጥቢ ከእቱ ይደሊ፡፡ “ኣብ ጉዳይ ሉኣላዊ ሃገር ጣልቃ ምእታው ግቡእ ኣይኮነን” ክብል ሓደ ሓደ ግዜ ብልፅግና እውን ክጥቀመሉ ይሙኩር ነይሩ እዩ፡፡ እዚ ግን ማይ ዝቛፅር መከራኸሪ ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ ናይ ኣብይ ሲኔር ዲፕሎማት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኾይኖም እዮም እምበር፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ሃገራት ኣብ ውግእ ካልኦት ሃገራት እታ ሓንቲ ነቱ ሓደ ወገን ክትድግፍ፡ እታ ኻሊእቲ እውን ነቱ ኻሊእ ወገን ክትድግፍ እናኣተዋ ኲናት ሓንቲ ሃገር ዓለምለኸ መልክዕ እናሓዘ ዓለምለኸ ቅልውላው እናስዓበ ስለዝመፀ ጣልቃ ንዘይምእታው ተስማዕሚዐን እየን፡፡ እዚ እንትግበር ግን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተበፀሐ ዓለምለኸ ስምምዕነት፡ ምኽባር ሉኣላውነት (ጣልቃ ዘይምእታው)፡ ክልተ ቅድመ ኩነት ተቐሚጦም እዮም፡፡

“መንግስቲ ሓንቲ ሃገር ውሽጣዊ ዓመፅቲ ዝፈጠሩዎ ኲናት እንተጋጥሞ፡ ኣብቲ ኲናት ተሳትፎ ዘይብሎም ዜጋታት ድሕንነት ንምሕላው ዓቕሚ እንተስኢኑ (ዓቕሚ እዩ ስኢኑ እምበር ክከላኸለሎም ግን ድሌት ኣለዎ ማለት’ዩ) ወይ ክዓ ድሌት እንድሕር ዘይብሉ ማሕበረሰብ ዓለም ጣልቃ ክኣቱ ይኽእል’ዩ” ኢሉ ብግልፂ ኣቕሚጡዎ እዩ፡፡ ይትረፍ ናይ ትግራይ ሓንቲ ናይ ኢትዮጵያ ክፍለ ግዝኣት ዝኾነት ክልል፡ ኢትዮጵያ እውን ከም ሃገር ሉኣለውነታ ዝኽበር (ጣልቃ ዘይእቶ) ኣብ ኲናት ተሳትፎ ንዘይብሎም ዜጋታት ድሕንነት ክትሕሉ ክሳብ ዝኽኣለት እዩ፡፡

ንምንታይ ድኣ ኣብ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ማሕበረሰብ ዓለም ጣልቃ ዘይኣተወ? ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል’ዩ፡፡ እቱ መልሲ ግን ሃገራት ዓለም ነናይ ባዕለን ገዛ ዕዮ ስለዝበዝሐን ቐዳማይ ነገር ብዓለምለኸ ብርኪ ዝተኸሰተ ለበዳ ሕማም ኮረና ቫይረስ (ኮቪድ-19) ካልኣይ ዅናት ዩክሬንን ሩሲያን እምበር፡ ዓለምለኸ ሕጊ ስለዝኸልከለን ኣይኮነን፡፡

ናይቶም ኢድ ኣዙር መፈንቅለ መንግስቲ ዝገበሩ ጄኔራል ዘረባ እውን “ብውሽጣዊ ዓቕሚ ክፍታሕ እናኽኣለ፡ ናብ ሃገርን ማሕበረሰብ ዓለምን ምውሳድ እቱ ሽግር ክትሓላለኽ ካብ ምግባር ወፃኢ ዝዓብሶ የብሉን” ኢሉ፡፡ መቼም ንሱ ፖሊቲካዊ ኣራዳነት እንትዕደሎ ካሊእ ሰብ ፋራነት ይዕደሎ ነይሩ ማለት እንድዩ፡ እታ ዝፈጠሩዋ ፀገም ንባዕሎም ከም ተፅግመሎም እያ ተገይራ እምበር ካሊእ ኣይተገበረትን፡፡

ሳልሳይ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ተሰጋጊሩ፡፡ እዚ ነቶም ገበናት ኩሎም ንሓደ ወገን ዘሽክምን ስጉምቲ ንምውሳድ ቕድመ ኹነትን እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ናብ ዅናት ካብ ዝኣተዉሎም ነጥብታት እቱ ቕፅበታዊ ምኽንያት’ዩ፡ ሰሜን እዝ እምበር፡ እቱ መሰረታዊ ጎንፂ ብሕጊ ዘይተፈቐደልካ ስልጣን ተጠቒምካ መንግስትነት ኣጣይሽኻ እዩ፡፡ እቱ ዋና ምኽንያት ተገይሩ ክውሰድ ዘለዎ ዘይሕጋዊ መረፃ ምክያድ’ዩ፡፡

ሎሚ እውን’ኮ ነዚ እዮም ዝደግሙ ዘለዉ፡፡ ጠ/ሚ/ር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘስምዖ ዘሎ ድምፂ ቐደም እውን ተጋቢዘ እየ ዝኣተኹ፡፡ ሎሚ እውን ይጋብዙኒ ኣለዉ፡፡ ማሕበረሰብ ዓለም ርኣየለይ፡ ዝብል ዲፕሎማሲያዊ ኣብዮቱታ እዩ፡፡ ብርግፅ እቱ ፀገም ናይ ፌዴራል መንግስቲ ነቱ ለውጢ ብዝግባእ ክሕዞን ክመርሖን ስለዘይክኣለ እዩ፡፡ ህወሓት እንተኾይኑሉ ናብ ፌዴራል መንግስትነት ኣርባዕተ ኪሎ ክመፅእ እዩ፡፡ ብርግፅ ሀወሓት ሓደ ዝተጋገዩዎ ነገር ግን ዋላ እውን ኣራት ኪሎ ተዝቆፃፀሩ እቱ ካሊእ ብሄር ብፍላይ ኣምሓራን ኦሮሞን ምስ ሻዕቢያ ዝህሉ ልፍንቲ ጠጠው ይብል ዶ? እዩ፡፡

ራብዓይ ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ናብ ፖሊቲካዊ ዘተ ምእታው እዩ ነይሩ፡፡ እዚ ንምንታይ እዩ ዘይተኻየደ? እቱ ዝገርም ግን እቱ ሓደ ፍርኳት ህወሓት እዚ ዝኣክል ችግር ፈጢሩ እናሃለወ ምንም ከም ዘይተፈጠረ ገይሩ ከሪአና ይምኩር ኣሎ፡፡ እዚ ብጣዕሚ ጌጋ እዩ፡፡ ብዓል ደብረፅዮን ዝሓዙዎ ህወሓት ነቶም ሽማግለታት ሒዙ ተንከርከር ይብል ኣሎ፡፡ እቱ መንእሰይ ወለዶ ድማ ግዘ ዝጠልቦ ኣታሓሳስባ ተሓንጊጡ መፂኡ ኣሎ፡፡ ነዚ ምሕጋዝ የድሊ፡፡

“ህወሓት ንማሕበረሰብ ዓለም ብጣዕሚ መስግኢ ዝኾነ ሓይሊ እዩ፡፡ ዓለም ብስግኣት እትሪኦ ውድብ እዩ፡፡ ንምንታይ ዓለም ዝደርበየቶ “ብሄራዊ መንነት ዝፍጠር” መቃለሲ ውዳበ፤ ብርእዮተ ዓለም ገዲፉ ካሊእ ኣጀንዳ “Identity politics” ተሓንጊጡ ዝጓዓዝ እዩ፡፡ እዚ ዋላ ሎሚ እውን ስግኣት’ዩ፡፡ ዓለም ብዓለማ ትሰግኦ ሓሳብ’ዩ፡፡ ዓለም ብሙሉኡ ዘፍርስ፣ መልክኣ ምድራውን ኣሰፋፍራ ህዝብን፡ ኣቀማምጣ ወይ ካርታ ዓለም ዘናግዕ ኣታሓሳስባ ዝሓዘ ውድብ’ዩ፡፡

ብዙሓት ሃገራት እዚ መሰል ዓርሰ ውሳነ ዝብል ብጣዕሚ ዝፈርሑዎን ዝጥንቀቑዎን ኣታሓሳስባ እዩ፡፡ ሃገራት ንብሄራዊ ድሕንነተን ሓደጋ ዝኾነ ሓሳብ ተሓንጊጡ ዝዘር ውድብ እዩ” ዝብሉ ኣለዉ፡፡ እዚ ብኸፊል ሓቅነት ኣለዎ ግን ድማ እታ ናይ መንነት ፖሊቲካ ንበይና ተነፂላ ትረአ ኣይኮነትን፡፡ ናይ ሰብ ብፅሒት ሕገ-መንግስቲ ኣፅዲቑ፡፡ እቱ ፀገም ዘሎ ነቱ ፖሊቲክኡ ዝመርሐሉ ፖሊሲን ስትራቴጅን ኣብ ባይታ ዝትግብረሉ መንገድን እዩ፡፡

መጠቓለሊ

ከም መጠቓለሊ ሓደ እቱ ዝሓለፈ ዅናት ኢትዮ-ትግራይ ወላዒ ሚና ዝተፃወት እዙ ጉጅለ እዚ እዩ ለካ ዝብል ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲ ወዲቑ፡፡ ካልኣይ እቱ ሒዙዎ ዝጓዓዝ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ተሞኲሩ ዝወደቐ ግን ድማ ዓለም ዘናግዕ ብምዃኑ እቱ ወያናይ ዴሞክራሲ ወዲቑ እዩ፡፡ ፖሊቲካል ካፒታሉ ተሓንሽሹ እዩ፡፡ ሳልሳይ ሕብረተሰባዊ መሰረቱ ስኢኑ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ብሓዱሽ ወለዶ ዝተነፀገ ስለዝኾነ፡፡ ራብዓይ ሕጋውነቱ ብኹሉ መለክዒ ወዲቑ እዩ፡፡

ብወገን ጌታቸው ግን “ተሳዒርካ ምስዓር” ዝብል መትከል ደጊሙዎ መሊሱ ስዒሩሉ እዩ፡፡ ኣብ ውዕሊ ዘላቒ ሰላም ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብኽልተ ምኽንያት ተፈሪሙ፡፡ ቀዳማይ ነገር ተፈሪሙ ማለት ተተግቢሩ ማለት ኣይኮነን፡፡ ነገር እንተደሊኻስ ክበኪ ኢለ ተለኹ ጡሽ ለኸየኒ ብዝዓይነቱ ብዝኾነ መንገዲ እቱ ውግእ ዘዋፀአካ እንተኾይኑ ክተካይዶ ትኽእሊኻ፡፡ ካልኣይ ክትሰዓረሉ ከለኻ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዅናት ትግራይ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ቕልውላዋት ስለዝህልዉ፡ እቱ ወግእ እንተቐፂሉ ኣብ ውግእ እየ ዘለኹ ክብልዩ፡ እቱ ውግእ ጠጠው ክብል ከሎ ግን ማዓት ተባራዕቲ ፖሊቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን፡ ናይ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን ሕቶታት ክልዓሉ እዮም፡፡ ስለዚ ኻሊእ መጋጥምቲ ክረክብ’ዩ፡፡ ካብ ዝብል ብስለት ዝተመልኦ ውሳነ ፈሪሙ፡፡ ወይ ክፍረም ናይ ብፆቱ ቀፅል ዝብል ውሳነ ኣእሚኑ ረኺቡ፡፡

እቱ ኻልኣይ ድማ ሎሚ ኣመዝጊቡዎ ዘሎ ዓወት እዩ፡፡ ናይ ጅግንነቱ ጅግንነት ፈለማ ስምዒቱ ስዒሩ፡፡ ብዘይተለመደ መንገዲ ደገፍቱ ክፋል ሰራዊትን ጄኔራላትን እናሃለዉ፡ ፈሪሑ ሃዲሙ ዝብሉ ተራ ውልቀ ምድህሃላት ንዒቑ፤ ውልቀ ክብሩ ከይገደሶ ኣብ ህዝቡ ክውላዕ ተሓሲቡ ዝነበረ ከቢድ ውሽጣዊ ዅናት ብምትራፍ ዘመናዊ ዘይተለመደ ናይ ሰላም ጅግና ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ክምዝገብ’ዩ፡፡

መንግስታት ብመስርሓቶም፡ ሰባት ከፈራርሑ እምበር፡ ምእንተ ህዝቢ ኢሎም፡ ዅናት ንምትራፍ ኢሎም ውልቀ ክብሮም ከይገደሶም ክንድዚ ዝኣክል ዅናት ምትራፍ ኣብ ትግራይን ኢትዮጵያን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኣፍሪካን ዓለምናን ፈለማይ መንግስቲ እሞ ድማ መንእሰይ ወለዶ ኾይንካ ብጣዕሚ ብዙሓት ዘይስገሩ ከበድቲ ነገራት ንሰላም ክብል ዝሰገረ ሰብ’ዩ ጌታቸውን ብፆቱን፡፡

ኣብዚ ግን ሓደ ነገር ክውስኽ ትኽክል ይኸውን፡፡ ጌታቸው ንሰላም ክብል መንግስትነትን ምስ መንግስትነት ሓቢሮም ዝነበሩዎ ክብርታትን መስዋእቲ ገይሩ ህዝቡን ዓዱን ከንዲ ዘድሓነ፡ መንግስትነቱስ ንምንታይ ይተርፎ? እቱ ዓመፀኛ ክንዲ ዝዓመፀ ድሌቱ ክማለአሉ፡፡ እቱ ሰላማዊ ቅድሚ ጥቕሙን ክብሩን ጥቕሚ ህዝብን ሰላም ህዝብን ውሑስ ክንዲ ዝገበረ ክተርፎ ምግባር፡ ንዓመፀኛታት እውቅና ምሃብ’ዩ፡፡ ብኢዱ ኣዙር ዕልዋ መንግስቲ ንዝገበሩ እውቅና ምሃብ ድማ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ይኹን ኣህጉርና ኣፍሪካ ኢሉ እውን ንዓለም ሓደገኛ ተሞኩሮ ምትሕልላፍ’ዩ፡፡

ህወሓት ክልተ ሓደገኛታት ተሞኩሮታት ንዓለም ኣሕሊፉ ኣሎ፡፡ እቱ ቐዳማይ ምክልኻል ሃገር ብምጥቃዕ ሃገራዊ ሰራዊት ኣዳኺምካ ተደራዲርካ ድሕሪ ድርድር እውን ዳግመ ውደባ ኣካይድካ ነፃነት ምጉንፃፍ እንተኽኢሉ፡፡ ኣብ ሃገራት ዓለም ዘለዋ ነፃነት ዝሓታ ክፍለ ግዝኣታት ኩለን ነቱ ሃገራዊ ሰራዊት እናቖርጠማ ነፃነተን ንምጉንፃፍ ዘየቋርፅ ፈተነታት ክገብራ በሪ ዝኸፍት’ዩ፡፡

እቱ ኻልኣይ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዋ ክፍለ ምምሕዳራት መንግስቲ ምኽትላት ንርእሰ ምምሕዳር ኢድ ኣዙር ዕልዋ ብምኪያድ ገልቢጦም ንምሓዝ ዘየቋርፅ ፈተነ ከካይዱን በዚ ምኽንያት ክፍለ ምምሕዳራዊ ክልላት ኣብ ሕምስምስ ክነብራ ዝገብር ሓዱሽ ቅዲ ዝፈጥር በሪ ዝኸፍት’ዩ፡፡ ስለዚ ተፈትዩ ከይተፈተወ እቱ ዝነበረ ኢድ ኣዙር ግልበጣ ፈሽሉ፤ ምክትል ኣውጊካ ብኻሊእ ምኽትል ተኪእኻ፡ ነቶም ዝነበሩ ወሰንቲ ኣካላት ግዚያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ትግራይ ናብ ዝነበሩዎ ምምላስ’ዩ፡፡

ከም PDF ልምንባብ

Subscribe to UMD Media channel. Join UMD Media Telegram Channel: https://t.me/UMDMedia

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top