ገብረመድህን ሮምሃ (ዶ/ር) ለካቲት 26፤ 2017 ዓም
ብነሓሰ 2015 ዓ.ም ዝተፅሓፈ
1. መእተዊ
ዳዊት ካብ ፅቡቕ ቁጠባውን ሞራላዊ ቅቡልነትን ዘለዎ ስድራ ተወሊዱ ዝዓበየ መንእሰይ ነይሩ። ስድራ ዳዊት ብዘለዎ ፅቡቕ ስነ-ምግባር ብናይቲ ከባቢ ስፍሕ ዝበለ ማሕበረሰብ ተቐባልነት ዘለዎን ክብሪ ዝወሃቦን ስድራ እዩ ነይሩ። ብፅቡቕ ስነ-ስርዓትን ሞራል ክብርታትን ተኾስኵሱ ዝዓበየ መንእሰይ ዳዊት ሕክምና ኣፅንዐ። ዶ/ር ዳዊት ብዝህቦ ሞያዊ ግልጋሎት ንኡድ ናይ ውልቀ ሆስፒታል ከፈተ። ሞያዊ ግልጋሎት ክበሃል እንተሎ ፅቡቕ ስነ-ምግባር ዘለዎ ግልጋሎት ዝህብ ሆስፒታል ማለት እዩ። ሆስፒታል ዶ/ር ዳዊት ኣብታ ዝተወለደላ ብሔር ዝለዓለ ተፈላጥነት ዝነበሮ ኮይኑ ካብ ካልኦት ጎረቤት ብሔራት ግልጋሎት ክረኽቡ ዝመፁ እውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ዶ/ር ዳዊት ነቲ ዝፈጠሮ ማሕበረሰብ ፖለቲካዊ ሓርነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ክረክብ ዝቃለስ ውልቀሰብ እውን ነይሩ። ዝኾነ ኮይኑ ንህንፀት ስብእና ዳዊት፤ ኩለ-መዳይ ስብእና ስድራ ዳዊት ከምዝኸውን ጥርጥር የብሉን።
ምስ ስብእና ዶ/ር ዳዊት ውኒኣ ዝሸፈተ ሄለን፤ ንዶ/ር ዳዊት ብፍቕሪ ማሪኻ ኣብ ቁፅፅራ ክተውዕሎ ተሓነየት። ሄለን ምስ ዶ/ር ዳዊት ዝተፋለጠት፤ ዶ/ር ዳዊት ኣብ ዝሰርሐሉ ዝነበረ መንግስታዊ ሆስፒታል ነርስ ኮይና ተቖፂራ እያ። ዶ/ር ዳዊት ኣብ ቁፅፅር ፍቕሪ ሄለን ዝኣተወ ብብቕዓት ምትላል ሄለን እዩ ነይሩ። ሄለን ንዶ/ር ዳዊት ኣብ ቁፅፅራ ዘውዐለቶ ዳዊት ኣብ ሰበይቱ ዝምነዮን ዝደልዮን ዝነበረ ፀባይን ፍቕራዊ ምንቅስቓስን ብምርኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ ተዋስኦኣዊ ኣገላልፃ ቀፃሊ ባህጋ እውን ንዶ/ር ዳዊት ማሪኹ ንሓዳር ክመርፃ ገይሩ እዩ። ኣብ ሓፂር እዋን ድማ መፋርቕቱ ህይወቱን ሃፍቱን ክትከውን ክኢላ እያ።
ሄለን ስራሕ መካየዲት ትካል ዶ/ር ዳዊት ንምዃን ግዜ ኣይወሰደላን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩሎም ንጥፈታት እቲ ትካል ቀንዲ ወሳኒት መሲላ ትሰርሕ ነይራ። ፀኒሓ ድማ ናይቲ ትካል ብሕታዊት ገባሪት ሓዳጊት መሲላ ትዋሳእ ነይራ። ዓወታት፣ ሰናይ ተግባራትን ፅቡቕ ስነ ምግባርን እቲ ትካል ብኣረኣእያ፣ ኣተሓሳስባን ተግባርን ሄለን ከም ዝተፈጠረ መሲሉ ዝና ሄለን ክብርኽ ብዙሕ ፅዒራ ነይራ። ይኹን እምበር ሄለን ይትረፍ ዶ ዝና ክትረክብ፤ ብሰራሕተኛታት እቲ ትካል ከም ሓንቲ ክፍእቲ ተቖፃሪት ሰራሕተኛ እንትትሕሰብ፤ በቲ ማሕበረሰብ ድማ ሃለዋታ እውን ኣይትፍለጥን። ምኽንያቱ ባህሊ፣ ስርዓትን ተግባራትን እቲ ትካል ብኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ዳዊት ስለዝተሃነፀ፤ መንነት እቲ ትካል መንነት ዳዊት ሒዙ ክቕፅል ስለዝተገደደ እዩ። ሄለን ናይቲ ትካል በዓል ዋና ኮይና ኣፍልጦ ንምርካብ እትገብሮ ፋሕጠርጠር ካብ ዳዊት ተፃብኦ ኣይገጠማን። ሄለን ንዳዊት ዝሓዘትሉ ሜላ ክፍኣታ ከይርዳእ ገይርዎ ይኸውን፤ ወይ ሄለን ዝፈፀመቶም ክፉኣት ተግባራት ኣብ ከይዲ ስራሕ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ስሕተታት እዮም ብዝብል ርድኢት ትኹረት ዘይሃበሉ ይኸውን። ዘይሩ ዘይሩ ሄለን ከም መካየዲት ስራሕ ኮይና ብእትገብሮም ዝነበረት ምንቅስቓሳት ትኹረት ዳዊትን ሰራሕተኛታት እቲ ትካልን ይኹን ትኹረት እቲ ማሕበረሰብ ክትስሕብ ኣይከኣለትን። ብሓፈሻ እቲ ትካልን ሄለንን ክወሃሃዱ ኣይከኣሉን፤ ማለት እውን መንነት እቲ ትካል መግለፂ ሄለን ክኸውን ኣይከኣለን፤ መንነት ሄለን እውን መግለፂ እቲ ትካል ክኸውን ኣይከኣለን።
ብዙሕ ፅዒራ ዝተመነየቶ ትኹረትን ኣፍልጦን ዝሰኣነት ሄለን መዕነዋይ ናይ ቁጥዐ ስጉምቲ ክትወስድ ተገደደት። ናይቲ ትካል ፅቡቕ ስነ ምግባርን ባህልን ዘቐፅሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ዕዮታት ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰብ ሞያን ምሕደራን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል እናባረረት ናይ ባዕላ ድልየት ዝፍፅሙ ብምቑፃር ነቲ ትካል ብምስላ ክትሃንፆ ፃዕሪ ገበረት። ሰራሕተኛታት ብኽልተ መንገዲ ካብቲ ትካል ክለቁ ትገብር ነይራ። እቲ ሓደ፤ ሄለን ኣብ ልዕሊ እቲ ትካልን ባዕሎምን እትፍፅሞም ክፉኣት ተግባራት እቶም ሰራሕተኛታት ባዕሎም ኣንፀርፂሮም ክለቁ ትገብር። መብዛሕቲኦም ዝለቁ ብሉፃት ሰብ ሞያ ሰራሕተኛታት ሄለን እትፍፅሞም ተግባራት ብድልየት ዶ/ር ዳዊት ከምዘይኮነ ይርድኡ ነይሮም። ኮይኑ ግና ሄለን እትፍፅሞም ሕማቓት ተግባራት እንተዝነግርዎ ዳዊት ብርኪ ክፍኣት ሄለን ተረዲኡን ኣሚኑን ኣብ ልዕሊኣ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ኣይኽእልን ብዝብል እምነት እዩ ነይሩ። እቲ ካሊእ ንክፍኣታ ተፃዊሮምን ክፉእ ተግባር ሄለን ናብ ዳዊት ዘቃልዑን ንምብራር እትጥቀመሉ ሜላ ደቀቕቲ ጉድለቶም ኣጠራቒማ ብቕፅዓት ተባርሮም። እዚ ስጉምቲ ደፊራ ምውሳድ ዝጀመረት ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ዕዮታት እቲ ትካል ሰዓብታ ወሰንቲ ቦታታት ምስ ኣትሓዘት እዩ ነይሩ። ዳዊት ጥርዓን ተበደልቲ ሰራሕተኛታቱ ሰሚዑ ንመፍትሒ ምስ ሄለንን ተበደልትን ቆፀሮ ይሕዝ እሞ ሄለን ቀዲማ ስጉምቲ ትወስድ። ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ሄለን፤ ዳዊት ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ትካሉን መንነትን ተግባርን ሄለንን ከትኩር ገበሮ።
ከም ትዕዝብቲ ዳዊት፤ ዳርጋ መብዛሕቲኦም ፅቡቕ መንነት እቲ ትካል ዝሕልውን ዘቐፅሉን ዝነበሩ ንኡድ ናይ ስራሕ ባህልን ስነ ስርዓትን ዝነበሮም ሰራሕተኛታት ለቒቖም ንድልየት ሄለን ጥራሕ ዝጭነቑን ዝፍፅሙን ብሕማቕ ስነ ምግባርን ስራሕ ዝፀልኡ ሸፋጦን ሰራሕተኛታት ተተኪኦም። ብሰራሕተኛታትን ዳዊትን ዝተሃነፀ ፅቡቕ ባህልን ስርዓትን እቲ ትካል ተሓኺኹ ባህሊ ምጭብርባርን ምትላልን ኣማዕቢሉ። ፅሬት ግልጋሎት ዳርጋ የለን። ትካል ዳዊት ንማሕበረሰብ ብናፃ ዝህቦም ዝነበረ ሰናይ ተግባራት ተቛሪፆም። ብሓፈሻ እቲ ትካል ዝነበሮ መንነት ሃሲሱ ሄለን ብዘማዕበለቶ ሓዱሽ መንነት ተዓብሊሉ ኣብ ሞትን ሕየትን ከምዝኾነ ርድኢት ዳዊት ነይሩ። ዳዊት እቲ ትካል ናብቲ ሕዚ ዘለዎ ብርኪ ዝወረደ ብሰንኪ ሄለን ኮይኑ ሰኣን ዓቕሚ ዘይኮነስ ኮነ ኢላ ከምዝኾነት ተረዲኡ ኣብ ሄለን ስኑ ነኸሰ።
ዝኾነ ኮይኑ ዳዊት ነቲ ትካል ንምድሓን ብሙሉእ ዓቕሙን ተበግሶን ተላዒሉ ውሳነታት ክውስንን ስጉምቲታት ክወስድን ጀመረ። ዳዊት ኣብ ዝውስኖም ውሳነታትን ዝወስዶም ስጉምቲታትን ምስ ሄለን ክረዳዳእን ክተኣማመንን እዩ ነይሩ ድልየቱ። ይኹን እምበር ዳዊት ክፉእ ተግባራ ከይፈልጥ ንምክልኻል እትጥቀሞ ዝነበረት ባህሪ ምልምማፅን ምትላልን ገዲፋ ብምሒር ንዕቐት ንዳዊት ኣብ ምውራድን ምፍርራሕን ተፀመደት። ዳዊት ኣብ ልዕሊ ሄለን ዝገበሮ ተወሳኺ ክትትል ካሊእ ሰብኣይ ደሪባትሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ህይወቱ ሓደጋ ክተብፅሕ ከምእትኽእል እውን መረዳእታ ረኸበ። ሄለን ኣብ ልዕሊ ዳዊት እዚ ኹሉ ገበን ትፍፅም ዘላ ሃፍትን ትካልን ዳዊት ተጠቒማ እያ።
ዳዊት ባህልን ስርዓትን ትካሉ ኣፍሪሳትሉ ምስ ቅርሕንቱ እዩ ትካሉ ከመዓራሪ ተበጊሱ ነይሩ። ኣብ ልዕሊኡ ሰብኣይ ደሪባ ምዃና ምስ ፈለጠ ግን ንመንነቱን ስብእንኡን ጥራሕ ዘይኮነስ ንክብርታት ስድራ ቤቱ እውን ተጨነቐ። ብተወሳኺ ንዕኡ ቀቲላ ትካሉ ንምውራስ ዘፃወደቶ መፃወዲያ ምስ መንግስታዊ ኣካላት ከይተረፈ እያ ተኣሳሲራ። እዚ ድማ ንቤተሰቡ እውን ድሕንነታዊ ስግኣት ኣስዓበ። ዳዊት ኣብዚ እዋን እዚ ከይወዓለ ከይሓደረ ንሄለን ክፈትሓ ተገደደ። ዳዊት ንሄለን ቀልጢፉ ክፈትሓ ዘገደዶ ተግባር ኣብ ልዕሊኡ ሰብኣይ ደሪባ ህይወቱ ክተጥፍኦ ዝፈሓሰቶ ውዲት እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ንመንነቱ፣ ንድሕንነቱ፣ ንድሕንነትን ክብርታትን ስድራ ቤቱን ትካሉን ዘለዎ ትኹረት ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሮ ትኹረት ክብርኽ ግድን ኮነ። ስለዚ ዳዊት ንሄለን ንክፈትሓ ዘገደዶ ሀ) ድሕንነቱን ድሕንነት ስድራ ቤቱ ከውሕስ፣ ለ) መንነቱን ክብርታት ስድራቤቱን ከቐፅልን ሐ) ባህልን ስርዓትን ትካሉ ንምምላስን እዩ ነይሩ።
ብሓፈሻ ኣብ መንጎ ትግራይን ኢትዮጵያ (ኣምሓራ)ን ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያን ትግራይን ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ዘሎ ርክብ ምስ ኣብ መንጎ ሄለንን ዳዊትን ዝነበረ ርክብ ይመሳሰል እዩ። ትግራይ ንኢትዮጵያ ፍልፍል ስርዓተ መንግስትን ሃይማኖትን እያ። ድሓር ብስንፍና ተጋሩን ብተንኮል ኣምሓሩን መንግስታውን ሃይማኖታውን ስልጣን ኣብ ኢድ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ወደቐ። ኣብ ኢትዮጵያ ክብርታት ኦርቶዶክስ ክርስትናን ቤተ ክርስቲያን ትግራይን ብፍልመ-ፍጥረታዊ ባህሊ ኣምሓራ ተዓብለለ። ብስርዓት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ቦታን ስምን መንበረ ሊቃነ ጳጳሳት (ፓትሪያሪክ) ኣኵሱም ኮይኑ መንበረ ሰላማ ክበሃል እናተገብኦ እቲ መንበር ካብ ኣኵሱም ነቒሎም ናብ ካሊእ ቦታ ብምውሳድ ብስም ተክለሃይማኖት ሰየምዎ። ቀፂሉ ድማ እቲ ስርዓተ መንግስትን ሃይማኖትን ፀረ ህዝብን ክብርታትን ትግራይ ኮይኖም ተቓነዩ። ብ15 ክፍለ ዘበን ኣብ ልዕሊ ደቂቀ እስጢፋኖስ ዝተወሰደ ኣረሜናዊ ስጉምቲ መራሕቲ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ቀንዲ ተዋሳእቲ እንትኾኑ ኣብ ልዕሊ ክብርታት ትግራይ ብፍላይ ክብርታት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ዝዓለመ ነይሩ። ኣብ እዋን ምንሊክ፣ ሃይለስላሴን ደርግን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ክብርታትን ትግራይ ዝፍፀሙ ዝነበሩ ከበድቲ መጥቃዕቲታት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ እውን ትዋሳእ ነይራ።
መራሕቲ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ንተግባር ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ከም ናይ ደቂቀ እስጢፋኖስ ዝኣመሰሉ ተቓውሞ እምበር ክሳብ ፍትሕ ዝበፅሕ ስጉምቲ ንምውሳድ ተበግሶ ኣይነበሮምን። ድሕሪ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ህዝብን ክብርታትን ትግራይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ምስ ወረርቲ ሓይልታት ኮይኖም ዝፈፀምዎ ተግባር ዘርኢ ምጥፋእ ግን ንውሳነ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ነጥቢ መቐይሮ ኮይኑ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ድሕንነትን ህልውናን ህዝብን ክብርታትን ትግራይ ኣብ ሓደጋ ወደቑ። ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ድማ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኮኑ። ብሰንኪ እዚ ኩነታት እዚ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ መንበረ ሰላማ ንክምስርቱ ተገዲዶም ምንቅስቓስ ጀመሩ። መንበረ ሰላማ መጋቢት 27፣ 2014 ዓ.ም ተጣይሹ፤ ሓምለ 16፣ 2015 ዓ.ም ድማ ኤጲስቆጶሳት ሸይሙ እዩ።
ብሓፈሻ ንመንበረ ሰላማ ምምስራት ምኽንያት፦ ሓደ፤ ከም እምነት መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ስርዓትን ክብርታትን ኦርቶዶክስ ክርስትናን ቤተ ክርስቲያን ትግራይን ክዕቀብን ክቕፅልን ስለዘለዎ እዩ። ክልተ፤ ድሕንነትን ህልውናን ህዝብን ክብርታትን ትግራይ ንምውሓስን ንምቕፃልን ልዑል ግደ ክፃወት ስለዝኽእል እዩ። መንበረ ሰላማ ብምምስራት ጥራሕ ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ገይርካ ህልውንኡ ምቕፃል ዘይከኣል ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ናይ ባዕላ መንበር ብምምስራት ካብ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ናፃ እንተኾይና ካልኦት ትካላት ትግራይ ንመንበረ ሰላማ ስዒቦም ናፅነቶም ብምርግጋፅ ሃገረ ወይ ናፃ ትግራይ ንምምስራት ዘኽእል ዕድል ከም ዝፈጥር ጥርጥር የብሉን። ሰለስተ፤ ስርዓትን ክብርታትን ኦርቶዶክስ ክርስትናን ቤተ ክርስቲያን ትግራይን ከምኡ እውን ድሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ እንትወድቁ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ብሔራዊ ስምዒቶም ንክብርኽ ምኽንያት ይኸውን እሞ ህልውና ህዝቦምን ትካሎምን ናይ ምድሓንን ምቕፃልን ብሔራዊ ሓላፍነት ንክሽከሙ ይግደዱ።
2. ሓላፍነት ትካላት ሃይማኖት ኣብ ምውሓስ ድሕንነትን ምቕፃል ህልውናን ህዝበን
ምዕባለ ሓደ ህዝቢ ድምር ውፅኢት ከይድን ስራሕን ብዙሓት ወለዶታት እዩ። ፍልስፍና፣ ምህዞ፣ ጥበብን ውሕሉል መሪሕነትን ልሂቃን ብዙሓት ወለዶታት ኣብ ከይዲ ነዊሕ ዘመናት ኣብ ዝኾነ እዋን ዓለምለኻዊ ፀብለልታ ዘለዎ ምዕቡልን ስልጡንን ህዝቢ ይፈጥር።
ንኣብነት ናይዚ እዋን ወለዶ ዕብየትን ስልጣነን ቻይናውያን ካብ 14 ሺሕ ዓ.ዓ ዝጀመረ ውህሉል ፍልስፍና፣ ምህዞ፣ ጥበብን መሪሕነትን ከምዝኾነ ዝተረጋገፀ ሓቂ እዩ። እቲ ሎሚ ምዕቡልን ስልጡንን ህዝቢ ምዕራባዊ ዓለም እውን ውርርስ ኣሽሓት ዓመታት እዩ። መበገሲ ምዕባለ ምዕራባውያን ዝጀመረ ካብ 14 ሺሕ ዓ.ዓ እኳ እንተኾነ ብቐንድነት ኣብ ኣስታት 3000 ዓ.ዓ ኣብ ግብፂ ዝነበረ ገዚፍ ምዕባለ ከምዝኾነ ይእመን። ግሪካውያን ካብ ፍልስፍና ግብፃውያን ተማሂሮም ካብ ኣስታት 1650 ዓ.ዓ ጀሚሮም ዓለምለኻዊ ፅዕንቶ ፈጣሪ ብሉፅ ፍልስፍና ዝወነነ ምዕቡልን ስልጡንን ህዝቢ ፈጢሮም ነይሮም። ዕብየትን ስልጣነን ሮማ ውፅኢት ግብፃውያንን ግሪካውያንን እንትኸውን እዚ ሕዚ ዘሎ ምዕራባዊ ስልጣነ ድማ ውፅኢት ግብፃውያን፣ ግሪካውያንን ሮማውያንን እዩ።1
ውድቀት ሓደ ህዝቢ እውን ተመሳሳሊ ከይዲ እዩ ዝኽተል። ሓደ ህዝቢ ኣብ ዝኾነ እዋን ህልውንኡ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ዝኽእል ድምር ውፅኢት ስንፍናን ውድቀት ኣተሓሳስባን ልሂቃን ብዙሓት ወለዶታት እዩ። ንኣብነት ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ ዘበን ህልውና እስራኤላውያን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝወደቐ ውፅኢት ስንፍናን ውድቀት ኣተሓሳስባን ወለዶታት 2 ሺሕ ዓመታት እዩ። ድሕሪ 8ይ ክፍለ ዘበን እናንቆንቆለ ዝመፀ ምዕባለ ጃፓን ኣብ ኣስታት መፋርቕ 19 ክፍለ ዘበን ህልውና ጃፓን ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ነይሩ። ኣብ ከይዲ ዕብየት ምዕራባዊ ስልጣነ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ውድቀታት የጋጥምዎ ነይሮም እዮም። ንኣብነት ዕብየትን ስልጣነን ግብፂ፣ ግሪክን ሮማን ወዲቖም እዮም። ኣብ ከይዲ ዕብየት ማሕበረሰብ ቻይና ብዙሓት ውድቀታት ነይሮም እዮም።
ይኹን እምበር ሓደ ህዝቢ ህልውንኡ ኣብ ሓደጋ እንትወድቕ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ትካላት ከምኡ እውን ትካላት ሲቪል ማሕበራት ነቲ ህልውንኡ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ህዝቢ ናይ ምድሓን ሓላፍነት ኣለዎም ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ውድቀቱ ኣልዒሎም ብቐፃሊ ብተመሳሳሊ ምኽንያታት ህልውንኡ ኣብ ሓደጋ ናብ ዘይወድቀሉ ብርኪ ዘሰጋግር መፍትሒ የበጅዉ፤ ከምኡ እውን ብቐፃላይ ድሕንነትን ህልውናን ህዝቦም ዘረጋግፅ ማሕበረሰባዊ ስርዓት ይሃንፁ።
ኣብ ዘመናዊት ዓለም ድሕንነትን ህልውናን ህዝቡ ንምውሓስ ናይ ምውሳን ሕጋዊ ሓላፍነት ዘለዎ እቲ ፖለቲካዊ ትካል ወይ ፖለቲካዊ መሪሕነት እዩ። እቲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ካብ ህዝቢ ሃፍቲ ዝእክብን መንግስታዊ መሓውር ዝውንንን ድሕንነትን ህልውናን ህዝቡ ንምውሓስ እዩ። እቲ መንግስታዊ መሓውር ዝጨበጠ ፖለቲካዊ መሪሕነት ካብ ህዝቢ ሃፍቲ ክእክብ መሰል ዝወሃቦ፤ ድሕንነትን ህልውናን ህዝቡ ንምውሓስ ዘኽእሉ ፖለቲካዊ፣ ወታደራዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ትካላት ንምህናፅ እዩ። ድሕንነቱን ህልውንኡን ውሑስ ኣብ ዝኾነ ህዝቢ ዝዓዘዘ ግደ ስራሕ ትካላት ሲቪል ማሕበራት ፍትሕን ዲሞክራስን ንምስፋን እንትኸውን ትካላት ሃይማኖት ድማ ሞራል ክብርታት ንምዕቃብ እዩ (ብርግፅ ፖለቲካን ሲቪል ማሕበራትን እውን ሞራል ክብርታት ዓቀብቲ ክኾኑ ግድን እዩ)።
ይኹን እምበር ድሕንነትን ህልውናን ህዝብን ክብርታቱን ኣብ ሓደጋ እንትወድቕ ትካላት ሃይማኖትን ሲቪል ማሕበራትን ድሕንነትን ህልውናን ህዝቦም ንምውሓስን ብሔራዊ ክብርታቶም ንምዕቃብን ክቃለሱ ሞራል ሓላፍነት ኣለዎም። ኣብዚ ፅሑፍ እዚ ምኽንያትን ዕላማን ምምስራት መንበረ ሰላማ ትግራይ እንታይ እዩ? ንዝብል ሕቶ ርትዓዊ መብርሂ ንምሃብ ስለዝኾነ ድሕሪ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ድሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ዝነበሮን ዘለዎን ግደ ክነትኩር ኢና። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ድሕንነትን ህልውናን ዝተፈላለዩ ህዝቢታት ኣብ ሓደጋ እንትወድቕ ድሕንነትን ህልውናን እቶም ህዝቢታት ንምውሓስ ክርስትና ሃይማኖት ዝነበሮ ግደ ከም መነፃፀሪ ሓፀርቲ መብርሂታት ክቐርቡ እዮም።
ካብ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ድሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ። ፍልፍል እቲ ሓደጋ ባዕላውን ግዳማውን እዮም።
2.1 ንድሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘውደቑ ግዳማዊ ሓይልታት
ሀ) ኢትዮጵያ፦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኵናት ዘርኢ ምጥፋእ እንትእውጅ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያን ፖሊስ፣ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኩለን ክልላት ኢትጵያን ናብ ትግራይ ወፊሮም። ኩሎም መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብገንዘብን ሞራልን ደጊፎም። ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኩሎም ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ነቲ ኵናት ዘርኢ ምጥፋእ ብገንዘብን ሞራልን ሓጊዞም እዮም። ብሓፈሻ ኩለን ትካላት ኢትዮጵያ ዓቕመን ፀንቂቐን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምጥፋእን ክብርታቱ ኣብ ምዕናውን ተሳቲፈንን ይሳተፋ ኣለዋን።
ለ) ህዝባዊ ግምባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፦ መንግስቲ ህግደፍ ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ኵናት ትግራይ ንክሳተፍ ብምግባር ኣብ ዘርኢ ምጥፋእ ትግራይ የማናይ ኢድ ኢትዮጵያ ኮይኑ እዩ።
ሐ) ካልኦት ሓይልታት፦ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ፖለቲካዊ፣ ንዋታውን ሓይሊ ሰብን ሓገዝ ዝገበሩ ግዳማዊ ሓይልታት ብዙሓት እዮም። እዞም ዝስዕቡ ከምኣብነት ምጥቃስ ይከኣል እዩ። ኵናት ትግራይ ዝተጀመረ ብስትራተጂካዊ ንድፊ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እዩ ነይሩ። ድሓር እቲ ኵናት ጠጠው ክብል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ፅዕንቶ እኳ እንተፈጠረት ሕዚ ግን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ገበን ኩናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ናፃ ገይራቶ ኣላ። ውድብ ሕቡራት መንግስታት እውን ኣብ ጎኒ ወረርቲ ሓይልታት እዩ ተሰሊፉ ፀኒሑ ነይሩ። ሕዚ እውን ኣብ ትሕቲኡ ብዘለዉ ትካላት (ንኣብነት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም) ተጠቒሙ ተመዛበልቲ ሓዊሱ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይረክብ ገይሩ እዩ። ውድብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ 2013ን 2014ን ዓ.ም ዓመታዊ ዋዕላታቱ ንወርረቲ ሓይልታት ብምድጋፍ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ዘርኢ ምጥፋእ ትኽክል ከምዝኾነ ቅዋም ሒዙ እዩ። ውድብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ 2014 ዓ.ም እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ዘርኢ ምጥፋእ ጠጠው ንክብል ቅዋም ሒዞም ንዝነበሩ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን እንግሊዝን ዝቃወም መርገፂ ሒዙ እዩ። ሶማሊያ 10 ሺሕ ወታደራት ንኤርትራ ሓጊዛ ኣብ ኵናት ትግራይ ኣሳቲፋ። ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፣ ቱርኪ፣ ኢራን፣ ራሻ፣ ቻይናን እስራኤልን ድማ ድሮን ሓዊሱ ንዋታውን ፖለቲካውን ሓገዝ ገይሮም እዮም።
2.2 ባዕላዊ ፀገማት
ንድሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘውደቑ ውሽጣዊ ፀገማት ትግራይ እቲ ዝገዘፈ ኣብቲ መንግስታዊ መሓውር ዝተቖፃፀረ ውድብ ህወሓት እዩ ዝዓርፍ። ንወራርን ውድቀትን ትግራይ ቀንዲ ምኽንያታት ህወሓት ብዝኽተሎ ዴሳዊ ስነ-ሓሳብን ምስ ህግደፍ ንነዊሕ ግዜ ዝነበሮ ሓርፋፍ ርክብን ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያውነት ብዝነበሮ ቅዋም እዩ። ምዕራባውያን ፖለቲከኛታት ሰፊሕ ኣስተምህሮ ፀረ-ምዕራባዊ ሓራውነት (ሊበራሊዝም) ህወሓት (መለስ) ብሓፈሻ ካብ ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ካብ ቀርኒ ኣፍሪካ ከይነቕሎም ይሰግኡ ስለዝነበሩ፤ ፈለማ ድሕሪ ብዙሕ ፃዕሪ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ስኢኑ ንክቡቆስ ገይሮም እዮም። ቀፂሉ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ኣብ ዝሰኣነሉ እዋን ተፀብዮም ህወሓት ንምጥፋእ ነቲ ወራር ደጊፎም እዮም። ህወሓት ፈለማ ምስ ህግደፍ ዝተጓነፀ ብረብሓ ኢትዮጵያ እምበር ብረብሓ ትግራይ ኣይነበረን። ዘይሩ ዘይሩ ህወሓት ብዝኽተሎ ዴሳዊ ስነ-ሓሳብን ምስ ህግደፍ ብዝነበሮ ሓርፋፍ ርክብን፤ ትግራይ ኣብ ዲፕሎማሲያውን ጂኦፖለቲካውን መፃብብ ንክትኣትው ገይርዋ እዩ። ፅኑዕ እምነት ማዕርነታዊ ሓድነት ህወሓት ድማ ትግራይ ካሊእ መማረፂ ንከይህልዋ ገይሩ እዩ። ድሕሪ ወራር እውን ህወሓት ስትራተጂካውን ስልታውን ምትዕፅፃፍ ክገብር እናተገብኦ ፖለቲካ ትግራይ ብሒቱ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓሳባትን ናይ ቃልሲ መማረፂታትን ብምኽልካል ኣብ ግጉይ እምነቱ ደሪቑ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ሓንሺሽዎ እዩ። ብተወሳኺ ኣመራርሓን ደገፍትን ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም (ኣብ ምምዝባል፣ ኵናት፣ ዕፅዋን ክባን) ኮይኑ ንብሔራዊ ቃልሲ ዘዋፅኦ ገንዘብን ንብረትን ንጉጅለኣውን ውልቃውን ረብሓ ብምውዓል ንሞራል ክብርታት ትግራይ ዘይውክሉን ኢሰብኣውን ተግባራት ፈፂሞም። እዚ ድማ መርኣያ ብስባሰ/ውድቀት ፖለቲካውን ማሕበረሰባውን ስርዓት ትግራይ እዩ።
ውድቀት ሓደ ማሕበረሰብ በዞም ዝስዕቡ ክግለፅ ይኽእል እዩ2፦
ሀ) ደርባዊ ጎነፅ፤ ማሕበራዊ ተቓርኖ፣ ዘይምርድዳእ ወይ ሕማቕ ስነ ምግባር ልሂቃን (Class conflict, societal contradictions, elite mismanagement or misbehavior)
ለ) ንወድዓዊ ኩነታት ግቡእ መልሲ ዘይምሃብ
ሐ) ብኻልኦት ህዝቢታት ይውረር – ብፍላይ ትሑት ሞራል ክብርታት ብዘለዎም ህዝቢታት ክውረር እንተሎ
መ) ኣብ ልዕሊ ዝነብረሉ ከባቢ (ተፈጥሮ ሃፍቲ) ከቢድ ጉድኣት ከብፅሕ እንተሎ
ረ) እቲ ማሕበረሰብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ባህላውን ስርዓቱ (complex social system) እንትቕንስ ወይ እንትስእን
ሰ) ኣብ ድሑር እምነት ምጥሓል – ኣብ ተኣምራትን ፅውፅዋይን ምእማን
ሸ) ዝማዕበሉ ህዝቢታት ምህላው
ቀ) ምቕናስ በዝሒ ህዝቢ፦ ብጥምየት፣ ብኲናት ወይ ብሕማም ይመውትን ይስደድን
በዞም ልዕል ኢሎም ዝተዘርዘሩ መለክዒታት ውድቀት ዝግለፅ ማሕበረሰብ ድሕንነቱን ህልውንኡን ኣብ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ እዩ። ካብ “ሀ” ክሳብ “ቀ” ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት ህዝቢ ትግራይ እቲ ሕዚ ዘለዎ ኩነታት እዩ።
ፖለቲካ ትግራይ ነቲ ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ዘሎ ከቢድ ውድቀት ክፈትሖ ኣይከኣለን። ንውድቀት ትግራይ መፍትሒ ዝኸውን ፖሊሲ ሓንፂፀን ፅዕንቶ ዝፈጥራ ትካላት ሲቪል ማሕበራት እውን ኣብ ትግራይ የለዋን። እምበኣር ፖለቲካን ካልኦት ትካላትን ትግራይ ነቲ ኣብ ከቢድ ውድቀትን ኣብ ኣፍደገ ጥፍኣትን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ከድሕንዎ ዓቕምን ተበግሶን ስለዘይብሎም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ድሕንነትን ህልውናን ህዝቡ ንምድሓንን ክብርታት ትግራይ ንምዕቃብን ክቃለስ ባህርያዊ እዩ። እዚኦም ክውን ንምግባር ድማ መንበረ ሰላማ ትግራይ መስሪቱ።
3. ምምስራት መንበረ ሰላማ ትግራይ ንምንታይ
ሰለስተ ነገራት፦
- ድሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ንምድሓንን ክብርታት ትግራይ ንምዕቃብን
እስራኤላውያን ካብ ዝለዓለ ምዕባለ እናንቆልቆሉ ፀኒሖም ኣብ እዋን ቅድምን ድሕርን ልደተ ክርስቶስ ዝነበሩ ቁሩብ ዓመታት ግን ኣብ ከቢድ ቅልውላው ወደቑ። ሽዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፀንሐ ከቢድ ወራር ኣረሜናውያን ኣብ ውሽጦም ሰፊሕን ዓሚቝን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ዘይምስምማዕ ልሂቃን ስዒቡ ከቢድ ደርባውን ማሕበራውን ተቃርኖን ተፈጠረ። ምርድዳእን ምስምማዕን ዝሰኣኑ ልሂቃን ንወድዓዊ ኩነታት ገምጊሞም ግቡእ መልሲ ምሃብ ስለዘይከኣሉ ንዝገጠሞም ፀገም መፍትሒ ስኣንሉ። በዚ ምኽንያት ኣደዳ ወረርትን ካልኦት ፀገማትን ኮይኖም መሬት ዓዲ ኣቦኦም ገዲፎም ናብ ስደት ፋሕ ብትን ኢሎም እቲ ዝገዘፈ መሬቶም ብወረርቲ ተታሒዙ፤ እቶም ዝተረፉ ውሑዳት ድማ ኣብ ትሕቲ ከቢድ መግዛእቲ ወደቑ። ብድሑር ሃይማኖታዊ እምነት፣ ተኣምራትን ፅውይፅዋይን ተቐይዶም ድማ ንስደት ከም ፍቓድን ባርኾትን ፈጣሪኦም ቆፂሮም ልኡኽ ፈጣሪኦም ንምፍፃም ንስደት ብፀጋ ተቐበልዎ። ድሕሪ ስቓይ ክልተ ሺሕ ዓመታት ካብዚ ድሑር ሃይማኖታዊ እምነት ሓራ ዝኾነ ፅዮናዊ ምንቅስቓስ እስራኤላውያን ካብ ስቓይ ዘውፅእ ምምስራት ሃገረ እስራኤል ዕላምኡ ገይሩ እኳ ቃልሱ እንተጀመረ እቲ ድሑር ሃይማኖታዊ እምነት ገጢሙ ኣደስከሎ። ሓምሳ ዓመት ድሕሪ ምምስራት ምንቅስቓስ ፅዮናውያን ብሰንኪ ኣብ እዋን ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝበፅሖም ከቢድ ግፍዒ ሃይማኖቶም ኣሕዲሶም ሃይማኖት እስራኤላውያን (ጁዳይዝም) ዕዮ ምንቅስቓስ ፅዮናውያን ዓመመ። ምንቅስቓስ ፅዮናውያን እውን ብንቑሕ ብሔራዊ ንጥፈታት ሃይማኖት ጁዳይዝም ርእሱ ኣቕኒዑ ኣብ ጎኒ ሃይማኖት እስራኤላውያን እንትስለፍ ስምምዕነት ልሂቃንን ንፁር ዕላማን ተፈጢሩ ዕማም ሃገርነት ኣቃላጢፎም ዕላምኦም ክውን ገበሩ።
ንምብትታን ዩጎስላቪያ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ ምንቅስቓስ ብሔራውነት እተን ብሔራት ካብ 1980 ዓ.ም.ፈ እዩ ጀሚሩ። ስሎቦዳን ሚሎሶቪች ፕረዚደንት ዩጎስላቪያ ምስ ኮነ ብሔራዊ ተቓርኖ ኣዝዩ ክኸርር ገይርዎ እዩ። ሚሎሶቪች ሰርቢያዊ ብሔርተኛ ዝነበረ እንትኸውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሔራት ቅሉዕ መጥቃዕቲ ኣዊጁ ነይሩ። ብሰንኩ ድማ ኣብ ሕድ ሕድ ብሔራት ናብ ምምስራት ሃገር ዘቕንዓ ብሔርተኛ ሲቪል ማሕበራትን ፖለቲካዊ ፓርትን ተመስረታ። ኣብ እዋን ምብትታን ዩጎስላቪያ ንብሔራዊ ጎነፅ ቀንዲ ምኽንያት ዝነበረ ሃይማኖት (ኦርቶዶክስ፣ ካቶሊክን እስልምናን) እንትኸውን መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ንምምስራት ሕድ ሕድ ብሔረ-ሃገር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዕዙዝ ግደ ነይርዎም። ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 1980ታት ታሪኽ ዩጎስላቪያ “ኵናት ቤተ ክርስቲያናት” እናተብሃለ ይፅዋዕ ነይሩ። ካብቶም ከቢድ ብሔራዊ ፀገም ገጢምወን ዝነበረ ብሔራት ዩጎስላቪያ ሓንቲ ክሮሽያ እንትትኸውን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እታ ብሔር ምስ ተዳኸመ መራሕቲ ሃይማኖታዊ (ካቶሊክ) ትካል ክሮሽያ ንብሔራዊ ምንቅስቓስ እታ ብሔር ህይወት ክሰርዕ ገይሮምዎ ነይሮም።3
ኣብ መወዳእታ 19ን ኣብ መጀመርያ 20ን ክፍለ ዘበናት ስልጣነን ህዝብን ቻይና ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምስ ወደቐ ሃይማኖት ቻይና ባህልን/ክብርታትን ህዝብን ቻይና ብሓፈሻ እታ ብሔር ንምድሓን ንቑሕ ተጋድሎ ይገብር ነይሩ። ‘እታ ብሔር ኣብ ውሽጢ ሃይማኖት’ ብዝብል ድማ ይግለፅ ነይሩ4። ‘እታ ብሔር ኣብ ውሽጢ ሃይማኖት ተሸጕጣ ወይ ተሓቢኣ’ ንምባል እዩ። ኣብቲ እዋን ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ብሔራዊ ክብርታትን ህዝባን ሃገረ ቻይና ብንቑሕ ተሳትፎ ሃይማኖት ድሒኖምን ህልውንኦም እውን ኣቐፂሎምን እዮም።
ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከቢድ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ውድቀት ገጢምዎ ኣሎ። ልሙስ ፖለቲካ ህወሓት ይትረፍ ዶ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ፀገሙ ዘናግፍ መፍትሒ ክምህዝን ክቕምርን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውድቀት ከምዘሎ ምርዳእ ዘንጊዑ ህዝቢ ትግራይ ዓወት ከምዝተጎናፀፈ እዩ ወግሐ-ፀብሐ ፕሮፖጋንዳ ዝነዝሕ ዘሎ። በዚ ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ ካብ ውድቀቱ ከናግፎ ዝኽእል መሓዛ ኣይረኸበን ጥራሕ ዘይኮነስ ስቓዩ ዝርእየሉ ኣውያቱ ዝሰምዐሉ ስኢኑ ነይሩ። መጋቢት 27፣ 2014 ዓ.ም ዝተመስረተ መንበረ ሰላማ ትግራይ ሓምለ 16፣ 2015 ዓ.ም ኤጲስቆጶሳት ምስ ቀብኣ፤ ኣብ ጎኒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተግባር ዘርኢ ምጥፋእ ዝፍፅሙ ዝነበሩ ሓይልታት ጠጠው ኢሉ ብገንዘብን ብፕሮፖጋንዳን ዝሕግዝ ዝነበረ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ በደል ከምዝፈፀመ ኣሚኑ ንህዝቢ ትግራይ ይቅርታ ሓተተ።
2) ንምስረታ ብሔረ-ሃገር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሞራላዊ ልዕልና ንምፍጣር ይሕግዝ
ኣብ ምስረታ ሃገር ዝግበር ቃልሲ መንነታዊ ቃልሲ ስለዝኾነ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ሃይማኖታውን ቃልሲ እዩ ዝጠልብ። ብሔረ-ሃገር ንምምስራት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ባዕላውን ግዳማውን ተቓውሞታት ከጋጥም ግድን እዩ። ነዚኦም ንምምካት ድማ ብሔራዊ ክብርታቱ ዓቂቡ ቁጠባዊ ህንደሳ (ኣብ ሳይንሳውን ቴክኖሎጂካውን ምህዞ) ዝፈጥር ውሕሉልን ኣንዊሑ ዝእምትን ፖለቲካዊ መሪሕነት የድሊ። ሃይማኖታዊ ትካላትን መራሕትን ንምስረታ ሃገር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ቀንዲ ተሳተፍቲ ዝኾንሉ ምኽንያት ብሰንኪ መንነታዊ ጎነፅ ድሕንነቱን ህልውንኡን ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ህዝቢ ምስረታ ሃገርነት ክብርታት እቲ ህዝቢ ዓቂቡ ድሕንነቱ ንምውሓስን ህልውንኡ ንምቕፃልን ስለዘኽእል እዩ። ስለዚ ምምስራት መንበረ ሰላማ ትግራይ ንምስረታ ብሔረ-ሃገረ-ትግራይ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሞራላዊ ልዕልና ዝፈጥርን ነቲ ቃልሲ ዘቀፃፅልን እዩ።
3. ግብሪ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ምስ ግብርን ዶግማዊ እምነትን ኣኵሱማዊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ስለዘይሳነዩ
ንምምስራት መንበረ ሰላማ ትግራይ ካሊእ ዓብይ ምኽንያት ተግባራት ኢትዮጵያዊ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ምስ ግብርን ዶግማዊ እምነትን ኣኵሱማዊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ስለዘይሳነዩ እዩ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ ቀንዲ ኣፈላላይ ኣኵሱማዊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ቅድሚ 7ይ ክፍለ ዘበን ብፈለስቲ ግብፂ፤ ፀኒሑ ድማ ብባህሪ ኢትዮጵያዊ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ ምብራዙ መትከል ዓለምለኻዊ ተግባርን ዶግማዊ እምነትን ክርስትና እያ ትኽተል ነይራ።
ከም ኣበሃህላ ኣስራት ኣብርሃም ፅዕንቶ ግብፂ ክልተ መልክዕ ነይርዎ። እቲ ሓደ ሽዑ ቤተ ክርስቲያን ኣኵሱም ብመንበረ ማርቆስ ግብፂ ትመሓደር ስለዝነበረት መራሕቲ ሃይማኖት ግብፂ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን መራሕቲ ግብፂ ሃፍቲ መንግስትን ህዝብን ኣኵሱም ንምምዝማዝ ዘኽእሎም ስርዓትን መሓውርን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣኵሱም ዘርጊሖም ነይሮም። እቲ ካልኣይ ንዓለምለኻዊ ክርስትና እምነት ዝፃባእ ምንኩስናን ባህርያቱን ኣብ ግብፂ ዝተመስረተ እንትኸውን ናብ ኣኵሱም ተስፋሕፊሑ እዩ። ኮይኑ ግና ምንኩስና እውን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን መራሕቲ ግብፂ ሃፍቲ መንግስትን ህዝብን ኣኵሱም ንምምዝማዝ ተጠቒሞምሉ እዮም። ዝጥቀምሉ ዝነበረ ቀንዲ መሳርሒ ኣብ ናይ ሓሶት ተኣምራትን ፅውይፅዋይን ዝተደረኹ እዮም ነይሮም።
ኢትዮጵያዊ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን እውን ምስ መትከል ዓለምለኻዊ ተግባርን ዶግማዊ እምነትን ክርስትና ዝፃባእ ኣብ ናይ ሓሶት ተኣምራት፣ ጥንቆላን ፅውይፅዋይን ዝድረኽ ኮይኑ ገባታይን ጨካን ፀረ-ሰብኣውነትን ባህሪ ኣለዎ። እቲ ናይ ሕዚ ባህሪ ኢትዮጵያዊ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ኣኵሱማዊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈለየ ባህሪ ከማዕብል ዝጀመረ ብ13 ክፍለ ዘበን ብሽዋዊ ተክለ ሃይማኖት እዩ። ተክለ ሃይማኖት ንግስና ካብ ኣኵሱምን ኣገውን መንጢሉ ናብ ቤተሰቡ ንምውሳድ ዝጀመሮ ጥንቆላን ፅውይፅዋይን ኣብ ኢትዮጵያዊት ቤተ ክርስቲያን ሱር ሰዲዱ ቀፂሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ናይ ሓሶት ተኣምራትን ጥንቆላን እናተወሰኾ ማዕቢሉ እዩ። በዚ ውልቀ ሰብ ዝተጀመረ ባህሪ ገባታይነት እውን ክሳብ ሕዚ ባህሪ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ። ኣብ 2014 ዓ.ም ኣቡነ ጴጥሮስ ህዝቢ ጎንደር ኣንፃር ትግራይ ናብ ኵናት ክወፍር እንትጉስጉስ “ንኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ዝገበራ እኮ ኣምሓራይ እዩ፤ ዕምኵይ ንዘይመልኡ ሰባት ምፍራሕ ግቡእ ኣይኮነን…”5 ክብል እንተሎ ካብ ኣያታቱ ዝወረሶ ባህሪ ገባታይነትን ኣረሜንነትን እዩ ኣንፀባሪቑ። ኣረሜናዊ ባህሪ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ካብ ባህሪ ፍልመ-ፍጥረታዊ መንነት ኣምሓራ እዩ ዝወረሶ ዝመስል።
ሃይማኖታዊ መራሕቲ ኣምሓራ ናይ ሓሶት ተኣምራት፣ ጥንቆላን ፅውይፅዋይን ይፈጥሩ። ልሂቃን ኣምሓራ ብፍላይ ድማ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ኣምሓራ ከይረብረቡ ብዘጋውሕዎ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ፕሮፖጋንዳ ንሃይማኖታዊ እምነት ህዝቢ ትግራይ በሪዝዎ ፀኒሑ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ልሂቃን ትግራይ ንስሑት ተግባርን ዶግማዊ እምነትን ኢትዮጵያዊ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ይቃወሙ እኳ እንተነበሩ ኣረሜናዊ ጨፍጫፍ እናተኻየደሎም መፂኡ እዩ። ኣብ ልዕሊ ደቂቀ እስጢፋኖስ ብፖለቲካውን ሃይማኖታውን መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝተወሰደ ስጉምቲ መርኣያ ኣረሜናዊ ባህሪ እምነት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ እዩ። ዘይሩ ዘይሩ እዞም ባህርያት እዚኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ መንፈሳውን ኣካላውን መጥቃዕቲታት እናፈፀሙ መፂኦም እዮም።
ይኹን እምበር ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ዝጀመረ ብመንግስቲታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝምራሕን ካልኦት ሓይልታት ዝሓወሰን ዘርኣዊ ወራር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ሃይማኖታዊ ክብርታቱን ዝበፅሐ ከቢድ መጥቃዕቲ ግን ንምምስራት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። እዚ ማለት ድማ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ካብ ኢትዮጵያዊት ቤተ ክርስቲያን ለቒቓ ናብ ጥንተ መሰረታ ኣኵሱማዊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትምለስ ኣላ ማለት እዩ።
ተጋሩ ልሂቃን ብፍላይ ተጋሩ ፖለቲካዊ ልሂቃን ዘይሳነዩ ባህሪ ትግራዋይነትን ኢትዮጵያውነትን ዝተረድኡን መንግስትን ሃገርን ኣያታቶም እንደገና ምምስራት ብኹለ-መዳይ ንቡር ከምዝኾነ ዝኣመኑን ንምስረታ ሃገር ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት የካይዱ ነይሮም እዮም። ብ1960ታት ብግምባር ገድሊ ሓርነት ትግራይ (ግገሓት) ተጀሚሩ ብህወሓት ዝተኾለፈ ቃልሲ ምስረታ ሃገርነት ኩሉሻዕ ዝጥቀስ እኳ እንተኾነ ኣምር ሃገርነት ራእሲ ሃይለስላሴ ጉግሳ እውን ክርሳዕ ዘይብሉ ታሪኽ እዩ። ከምቲ ተደጋጊሙ ተፃሒፉ እንረኽቦ ጎነፅ ሃይለስላሴ ጉግሳን መራሕቲ ሽዋን ደገፍቶም ተጋሩን ስልጣን ጥራሕ ዘይኮነስ እንኮላይ ንባህሊ ሽዋ (ኣምሓራ) ኣምሪሮም ይፀልኡን ዘይባህሎም ከምዝኾነ ይኣምኑን ስለዝነበሩ እዩ። ድሕሪ 2008 ዓ.ም ብሔራውነት ትግራይ ዘሰጉሙ ልሂቃን ተጋሩ እናተበራኸቱ ዝመፁ እንትኾኑ ኣብ 2012 ዓ.ም ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት) ዝበሃል ፖለቲካዊ ውድብ ንምስረታ ሃገረ ትግራይ ዝቃለስ ውድብ ተመስረተ። ድሕሪ ወራር ግን ዳርጋ መብዛሕቲኡ ትግራዋይ ልሂቅ ሃገርነት ዝድግፍ ኮይኑ ንሃገርነት ዝቃለሳ ክልተ ፖለቲካዊ ውድባት ተወሲኸን እየን። ብሰንኪ ህወሓት ቅድሚ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ብፍላይ ድማ ቅድሚ 2008 ዓ.ም ይትረፍ እሞ ንምስረታ ሃገርነት፤ ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን ምሕላቕ መሰከፍን ነውርን ዝነበረ እንትኸውን ድሕሪ ወራር ግን ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያውነት መሰከፍን ነውርን ኮይኑ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ትግራይ እውን ቅድሚ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ዕላማ ምምስራት መንበረ ሰላማ ኣይነበራን።
ድሕሪ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም መንግስቲታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ወራር ፈፀሙ። ህዝቢ ትግራይ ትግራዋይ ብምዃኑ ጥራሕ ተጨፍጪፉ፤ ተቐቲሉ። ገሊኡ ንሓፂር እዋን ገሊኡ ድማ ንነዊሕ እዋን ኩሉ ትግራዋይ ተመዛበለ። ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ናይ ዕድመ ኣፈላላይ ተደፈራ። ሃይማኖታዊ ትካላት ሓዊሱ ኩሎም ትካላት ትግራይ ዓነዉ። ናይ ሃይማኖት ኣቦታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተጨፍጪፎም ተቐተሉ፤ ፈለስቲ ካብ ገዳማት ተባረሩ፤ ፈለስቲ ደቂ ኣንስትዮ ተገሲሰን። ህዝቢ ትግራይ ዙርያ ምላሽ ተዓፅዩ ማሕበራዊ ኣግልግሎትን ሰብኣዊ ሓገዝን ሰኣነ።
ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ነቲ ከምዚ ዓይነት ኢሰብኣዊ መጥቃዕትን ግፍዕን ዝፍፀመሉ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ጠጠው ኢላ ብመንፈስን ብቁስን እናሓገዘት ነቶም ወረርቲ ሓይልታት ድማ እናውገዘት ክትሕለቐሉ እዩ ዝግባእ ነይሩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ፦
ሓደ፤ ሰብኣዊ ፍጡር እዩ። ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ብብእምነቱ ፀኒዑን ንኻልኦት ህዝቢታት ከይተፃብአን ዝነብር ህዝቢ ንክጠፍእ ምስራሕ ክርስቲያናዊ ልኡኽ ስለዘይኮነ እዩ።
ክልተ፤ ኣብ ትግራይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ህልውና መንፈሳውን መዋቕራዊ ስርዓታን ኣረጋጊፃ ሃይማኖታዊ ንጥፈታታ ክተካይድ ብገንዘብን ብሞራልን ዝሕግዝ ገዚፍ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ክርስትና ህዝቢ ስለዘሎ እዩ።
ይኹን እምበር ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ኢክርስቲያናውን ኢሰብኣውን ግፍዓዊ ተግባር ንክካየድ ገንዘባውን ሞራላውን ድጋፋ እናሃበት ኣብ ጎኒ ወረርቲ ሓይልታት ጠጠው ኢላ ተጊሃ ትሰርሕ ነይራ።
ብሓፈሻ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን መራሕታን፤ ግብርን ዶግማዊ እምነትን ኦርቶዶክስ ክርስትና ሃይማኖት ዘፍረሱ ብኽልተ ብርኪ እዮም።
እቲ ቀዳማይ ብርኪ፤ ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ክርስትና ሃይማኖት ክትግብርዎም ዝግባእ ሕግታት ኣምላክ ብዘይ ምትግባር እዩ። ብሰንኪ እቲ ዘርኣዊ ኵናት ህዝቢ ትግራይ ጠምዩ፣ ፀሚኡ፣ ዓሪቑን መፅለሊ ስኢኑን ጥራሕ ዘይኮነስ ህልውንኡ እውን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ። ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን መራሕታን ግን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ፀገም ወዲቑ እናሃለወ ባዕሎም ብዘይ ምሕጋዞምን ከም መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ንኻልኦት እውን ክሕግዙ ብዘይ ምግባሮምን “…ክጠሚ እንተለኹ ኣኾልሱኒ፣ ክዓርቕ እንተለኹ ክደኑኒ፣ ክሓምም እንተለኹ ሓግዙኒ”6 ዝብሉ ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ክርስትና ሃይማኖት ክገብርዎም ዝግባእ ሕግታት ኣምላክ ስለዘይፈፀሙ እዮም።
እቲ ካልኣይ ብርኪ ድማ ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ክርስትና ሃይማኖት ክጥሕስዎም ዘይግባእ ሕግታት ኣምላክ ብምጥሓሶም እዩ። እቶም ትሕት ኢሎም ኣብ ቁፅርታት 1-8 ዝተዘርዘሩ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን መራሕታን ዝተፈፀሙ ተግባራትን ዝተወሃቡ ሓሳባትን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን መራሕታን ኣብ ቅትለትን ሓሶትን ከም ዝተሳተፉ ግልፂ ይገብሩልና።
ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ንወራር ዘርኣዊ መጥቃዕቲ ደጊፉ ንምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሩ ኣሎ ማለት ኣብ ቅትለት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ተግባር ዘርኢ ምጥፋእ ተሳቲፉ ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ዝገርም ግን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብስም ተመዛበልቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተግባር ዘርኢ ምጥፋእ ዝፍፅም ንዘሎ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ምሃቡ እዩ።7
መራሕቲ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘርኣዊ መጥቃዕቲ ንክካየድ ዘኽእል ዝነዝሕዎ ዝነበሩ መርዛም ፕሮፖጋንዳ ምስ ፕሮፖጋንዳ ፖለቲከኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ማዕረ እዩ ነይሩ። ካብ መፈለምትኡ ቅድሚ ወራር ኣቡነ ኣብርሃም ምስ ፖለቲከኛታት ኣምሓራ ናብ ኣስመራ ዝኸዱ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ንምትዕራቕ ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ንምውራር ግምባር ንምፍጣር እዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘርኣዊ መጥቃዕቲ ክፍፀም ብቐንድነት ካብ ዝጥቀሱ ጎስጎስቲ ሓደ ዋና ፀሓፊ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ኣቡነ ጴጥሮስ እንትኾኑ ካብ ዝገበርዎም መርዛም ዘርኣዊ መለዓዓልቲ ጎስጓሳት “ዕምኩይ ንዘይመልኡ ሰባት ምፍራሕ ግቡእ ኣይኮነን…ዋልድባ ኣረኪብካ ኣብዚ ኮፍ ኢልካ ስዋ ምስታይ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?”8 ዝብል ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ መንበረ ኣቡነ ማትያስ (ፓትርያሪክ) መሳርሒ ኵናት ከምዝተረኸበን ንወፃእ ንሕክምና ኣብ ዝወፅሉ እዋን ዘይተፈቐደ ንብረት ሒዞም ክወፁ ከምዝተረኸቡን ኣምሲልካ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ማትያስ ብመራሕትን ኣመንትን ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ንኦርቶዶክስ ክርስትና እምነት ዘይውክል ናይ ሓሶት ተዋስኦ ተሰሪሑ። እዚ ድማ ትግራዋይነት ክፅላእ ብምግባር ኣብ ልዕሊኡ ዘርኣዊ መጥቃዕቲ ክግበረሉ ዝዓለመ እዩ። እቲ ዝኸፍአ ንዶግማዊ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትና ዝፃባእ “ጁንታ ንኢትዮጵያ ካብ ዘመሓድራ ሰይጣን ከመሓድረና ይሕሸና…”9 ዝብል ኣስተምህሮ ኣቡነ ሚካኤል እዩ።
ጨቆንትን ውልቀ መለኽትን መራሕቲ ክፅልኡ ባህርያዊ እዩ። መራሕቲ ሃይማኖት ብጨቆንትን ውልቀ መለኽትን መራሕቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ንዝበፅሕ በደል ክቃወሙ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ እውን ፈለማ ብምኽሪ ቀፂሉ ዝተፈላለዩ ሜላታት ተጠቒሞም ክቃለሱ ይኽእሉ እዮም። ወድሰብ ምስ ሰይጣን ምውድዳር ግን ዶግማዊ እምነት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኣይፈቅድን። ዋላ እቲ ዝሓመቐ ግብሪ ዘለዎ ሰብ ምስ ሰይጣን ኣወዳዲርካ ንሰይጣን ምምራፅ ምሕረት ዘይብሉ ክሕደት እዩ። ኣቡነ ሚካኤል ካብ ጁንታ ሰይጣን ከመሓድሮም ዝመረፅሉ ምኽንያት ድማ “ሰይጣን ዱቄት ኣይሰርቅም፣ ሰይጣን ሊጥ ተሸክሞ ኣይሄድም፣ ሰይጣን ሽሮ በርበሬ ኣይሰርቅም”10 እዮም ዝብሉ። እቶም መራሕቲ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ናብ ሰይጣን ቀረባ እዮም ዝመስሉ። ብፍላይ ንተጋሩን ግብሮምን ምስ ሰይጣንን ግብሩን ንምውድዳር ሰጋእ ኣይብሉን።
ህዝቢ ትግራይ ዋላ ሓደ ሓጋዚ ዘይብሉ ዙርያ ምላሽ ተኸቢቡ እንትጭፍጨፍ ዝተዓዘቡ ኣቡነ ማትያስ ህዝቢ ትግራይ ህልውንኡ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ተዛሪቦም ነይሮም (ኣቡነ ማትያስ ኣብቲ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኻልኦት ኣብ ፀገም ዝነበሩ ህዝቢታት ኢትዮጵያ እውን ሓዘኖም ገሊፆም ነይሮም)። ካብ መግለፂ ኣቡነ ማትያስ “ህዝቢ ትግራይ ክጠፍእ ተፈሪድዎ ኣሎ”11 ዝብል ይርከቦ። ኣባል ሲኖዶስ ዝኾነ ኣቡነ ፋኑኤል ንመግለፂ ኣቡነ ማትያስ “ናይ ሰይጣን ሓሳብ እምበር ናይ እግዚኣብሔር ሓሳብ ናይ ኢትዮጵያውያን ሓሳብ ኣይኮነን”12 ብምባል ይገልፆ። ኣቡነ ማትያስ (ፓትርያሪክ) ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዝነበረ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ ዝኹንን ዝሓዝዎ ቅዋም፤ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ቅዋም ኣቡነ ማትያስ ቅዋም ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ከምዘይኮነ ብቕሉዕ መግለፂ ሂቡ ነይሩ13።
ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ክብርታቱን ተግባር ዘርኢ ምጥፋእ ክፍፀም እንተሎ ዝገበርዎ ገንዘባውን ሞራላውን ሓገዝ በዞም ዝስዕቡ ምጥቕላል ይከኣል፦
- ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ወራር ደጊፉ ንምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሩ እዩ። እቲ ገንዘብ ካብ ኦርቶዶክስ ክርስትና ኣመንቲ ከም ዝተኣከበ ግሁድ ሓቂ ኮይኑ ብተመዛበልቲ ስም ዝተኣከበ ገንዘብ እውን ከምዝርከቦ ይእመን።
- መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ኣደባባይ ወፂኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኸፈተ ኵናትን ዝፍፀም ዝነበረ መጥቃዕትን ትኽክል ከምዝኾነ ደጊፎም ኣብ ጎኒ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ጠጠው ከም ዝብሉ ኣረጋጊፆም።
- ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ክሳተፍን ክወፍርን ይጕስጉሱ ነይሮም። ንኣብነት “ዋልድባ ኣረኪብካ ኣብዚ ኮፍ ኢልካ ስዋ ምስታይ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?” ዝብል መደረ ኣቡነ ጴጥሮስ ምጥቃስ ይከኣል።
- መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኩለ-መዳይ መጥቃዕቲ ጠጠው ክብል ኣብ ልዕሊ እቶም ወረርቲ ሓይልታት ፀቕጢ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ጳጳሳት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ከይዶም ንመንግስቲ ኣሜሪካ ካብ ተግባሩ ክዕቀብን እቲ ኵናት ክቕፅል ከምዘለዎን ብዕቱብ ተወኪሶም ነይሮም።
- ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ትግራይ ንምውራር ምስ ሻዕቢያ ክዛተዩ ልኡኻን መንግስቲ ኣምሓራ ንኣስመራ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ቤተ ክህነት ኣምሓራ እውን ተወከልቱ ልኢኹ ነይሩ።
- ኣቡነ ማትያስ (ፓትርያሪክ) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ካልኦትን ዝፍፀም ዝነበረ መቕተልቲ፣ ምድፋር ደቂ ኣንስትዮ፣ ምፍንቓልን ካልኦት መጥቃዕታትን ተቓውምኦም እንተስምዑን ብሓፈሻ ህዝቦምን ወድሰብን ክጭፍጨፍ ከም ዘይብሉ ዝሓዝዎ መርገፅን ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ንመርገፂ ኣቡነ ማትያስ ዝቃወምን መርገፂ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ከምዘይኮነን ብቕሉዕ መግለፂ ሂቡ ነይሩ።
- መራሕቲ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ትካላት እታ ቤተ ክርስቲያን ዘገልግሉ ንዝነበሩ ተጋሩ ሊቃውንትን ሰራሕተኛታትን ንህወሓት እናሰርሑ ከምዝረኸብዎም ኣምሲሎም ናይ ሓሶት ተዋስኦ ብምፍጣር ካብ ስርሖምን ግልጋሎቶምን ንክባረሩን ንክእሰሩን ገይሮም እዮም።
- ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ትግራዋይ ስለዝኾኑ ጥራሕ ኣብ መራሒኣ ኣቡነ ማትያስ ብሓይሊ ዓፊና ዘይክርስቲያዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘይሰብኣዊ ተግባር ፈፂማ እያ። መራሕቲ እዛ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንበረ ፓትርያሪክ መሳርሒ ኵናት ከምዝተረኸበ ኣምሲሎም ድራማ ሰሪሖም እዮም። ኣቡነ ማትያስ ንሕክምና ንኣሜሪካ እንትኸዱ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘይተፈቐደሎም ንብረት ሒዞም ክወፁ ከም ዝተረኸቡ ብምምሳል ኣንጋላቲዖሞምን ከዋርድዎም ፈቲኖምን ነይሮም።
እዞም ልዕል ክብሉ ዝተገለፁ ኢሰብኣውን ኢክርስቲያናውን ተግባራት ህዝቢ ትግራይን ክብርታቱን ንምጥፋእ ብኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን መራሕታን ካብ ዝተፈፀሙ ውሑዳት እዮም። እዞም ተግባራት እዚኦም ምስ ግብርን ዶግማዊ እምነትን ኦርቶዶክስ ክርስትና ሃይማኖት ዝሳነዩ ኣይኮኑን። መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ተግባራት ኦርቶዶክስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን መራሕታን ምስ ግብርን ዶግማዊ እምነትን ኦርቶዶክስ ክርስትናን ምስ እምነት ቤተ ክርስቲያን ትግራይን ከምዘይሳነይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ገሊፆም እዮም። ስለዝኾነ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ብሓፈሻ ነቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተግባር ዘርኢ ምጥፋእ ዝፈፀሙ ኣካላት ብፍላይ ንተግባር መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኮኒኖም እዮም። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ክብርታቱን ዝፈፀምዎ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ነቲ ተግባር ዝፈፀሙን ንክፍፀም ዝደገፉን ኣካላት ክፍፀም ከምዘይድግፉን ከምዘይምነዩን ብምግላፅ ካብቲ ዝፍፅምዎ ዘለዉ እኩይ ተግባራት ዘድሕን ምሕረት ካብ ፈጣሪኦም ክረኽቡ መንፈሳዊ ትምኒቶም እናገለፁ መፂኦም እዮም። ብፍላይ መርድእ ስውኣት ትግራይ ኣብ ዝንገረሉ ዝነበረ እዋን ጥቅምቲ 3-5፣ 2016 ዓ.ም መንበረ ሰላማ ንስድራ ስውኣት ዘፅናዕንዑ ካህናት ዝመደበ እንትኸውን እቶም ዝተመደቡ ካህናት ነቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ግፍዒ ዝፈፀሙ ኣካላት ካብ እኩይ ኣረኣእያኦም ኣተሓሳስብኦምን ሓራ ዘውፅእ ምሕረት ካብ ፈጣሪኦም ክረኽቡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እዋን ስርዓተ ፍትሓትን እንዳሓዘንን ደጋጊሞም ይዛረብዎ ነይሮም። ኣብ ፖለቲካዊ ፍልስፍና እውን ተመሳሳሊ ቅዋም ኣሎ። ከም ኣበሃህላ ፓውሎ ፍሬየርየ ንሓርነት ዝቃለሱ ጭቁናት፤ ቃልሶም ንባዕሎም ሓራ ንምውፃእ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ጨቆንቲ እውን ካብ ናይ ጭቆና ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ሓራ ንክወፁ ዝገብር ክኸውን ኣለዎ።
እዚ ክበሃል እንተሎ ግን ‘ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ኮይና ንእኩይ ተግባራት መራሕቲ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ተቓሊሳ ንቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ሓራ ክተውፅኣ ትኽእል እያ’ ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብሓደ ወገን ቤተ ክርስቲያን ትግራይ መንበሩ ብኣባ ሰላማ ሰይሙ ኣብ ኣኵሱም ክምስርት ዘገድድ ሰሪትን ልምድን ኦርቶዶክስ ክርስትና ስለዘሎ እዩ። ኦርቶዶክስ ክርስትና ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ብኣባ ሰላማ ኣብ ኣኵሱም እዩ። ስለዚ እቲ መንበር ናብ ኣኵሱም ተመሊሱ ብኣባ ሰላማ ክስየም ንቡርን ግድንን ስለዝኾነ እዩ። ብኻሊእ ገፅ ድማ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ክርስትና ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም እምነትን ተግባርን ኦርቶዶክስ ክርስትና ንዝጥሕሱ ክቃወሙን ነቲ ስሪትን ልምድን እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትና ተግባራዊ ክገብሩ ክመኽሩን ክምህሩን ግቡእ ግደ መራሕቲ ሃይማኖት እዩ።
ስለዝኾነ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ መንበረ ሰላማ እምነት ቤተ ክርስቲያን ትግራይን ኦርቶዶክስ ክርስትናን ከሰጉም ዝኽእል ስርዓት ይሃንፅ ከምዘሎ ኣረጋጊፆም እዮም። መካየዲ ስራሕ መንበረ ሰላማ ኣቡነ መርሓ ክርስቶስ ኣብ ዕላማን ረብሓን ምምስራት መንበረ ሰላማ ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም ነይሮም። ከም ኣበሃህላ ኣቡነ መርሓ ክርስቶስ መንበረ ሰላማ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ፣ ተሰዲዱን ተጨቊኑን ከም ዝፀንሐን ሕዚ ናብ መረበቱ ክምለስ ግድን ስለዝኾነ እዩ ተመስሪቱ14። ካብ መግለፂ ኣቡነ መርሓ ክርስቶስ እንተነኣሰ ክልተ ነገራት ምውሳድ ይከኣል እዩ።
እቲ ሓደ፤ መንበረ ሰላማ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉን ተሰዲቱን ከም ዝፀንሐን ሕዚ ክምለስ ግድን ከምዝኾነ ዝገልፅ እዩ። ብመሰረት ስርዓት እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትና መንበር ዝስየም በቲ መስራቲ ኣቦ እታ ቤተ ክርስቲያን እዩ። መንበረ ፓትርያሪክ (ፓትርያሪክ ዝቕመጠሉ ቦታ) ክኸውን ዝግብኦ እውን እታ ቤተ ክርስቲያን ንፈለማ ዝተመስረተትሉ ቦታ እዩ። ስለዝኾነ ብሓፈሻ መስራቲ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን እንትኾኑ ንፈለማ ግዜ ዝተመስረተትሉ ቦታ ድማ ኣኵሱም ከምዝኾነ ግሁድ ሓቂ እዩ። እቲ ካልኣይ መንበረ ሰላማ ተጨቊኑ ይነብር ከምዝነበረን ናብ መረበቱ ክምለስ ግድን ከምዝኾነ ዝገልፅ እዩ። ጭቆና ሓርነት ወይ ናፅነት ወይ ክልቲኦም ምስኣን እዩ። መንበረ ሰላማ ግን ሓርነትን ናፅነትን እዩ ስኢኑ ፀኒሑ። መንበረ ሰላማ ሓርነቱ ስኢኑ ክበሃል እንተሎ መንነቱ ወይ ባህሉ ክገልፅ ዕድል ኣይረኸበን ማለት እዩ። ናፅነት ምስኣን ድማ ትካላውን ምሕደራውን ስርዓቱ ብኻልኦት ተመንጢሉ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ከም ዘሎ ዝሕብር እዩ። ትካላውን ምሕደራውን ስርዓቱ ዝተመንጠለ ድማ መንነቱ ክገልፅ ዕድል የብሉን። በዚ መሰረት ትካላውን ምሕደራውን ስርዓቱ ብመንበረ ተክለ ሃይማኖት ዝተመንጠለ መንበረ ሰላማ መንነቱ ክገልፅ እምነቱ ከሰጉም ሓርነት ክህልዎ ኣይኽእልን። መንነትን እምነትን መንበረ ሰላማ ማለት ድማ እምነትን መንነትን ቤተ ክርስቲያን ትግራይ፣ መራሕታን ሰዓብታን ማለት እዩ። ስለዝኾነ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ፣ መራሕታን ሰዓብታን እምነቶም ከሰጉሙን መንነቶም ክገልፁን እንተኾይኖም ካብ ፅዕንቶ መንበረ ተክለ ሃይማኖት ናፃ ኮይኑ ብናይ ባዕሉ ትካላውን ምሕደራውን ስርዓት ዝመሓደር መንበረ ሰላማ ክምስረት ከምዘለዎ እምነት መራሕቲ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን ትግራይ እዩ።
ብሓፈሻ ተግባራት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ምስ ግብርን ዶግማዊ እምነትን ኦርቶዶክስ ክርስትናን ቤተ ክርስቲያን ትግራይን ስለዘይሳነዩ ንምምስራት መንበረ ሰላማ ምኽንያት ኮይኑ እዩ ክበሃል እንተሎ፦
ሀ) ብስሪትን ልምድን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ፓትርያሪክ ብመስራቲ እታ ቤተ ክርስቲያን ክስየም ግድን ስለዝኾነ፤
ለ) ኣረሜናዊ ባህሊ ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ (ኣምሓራ) ንባህሊ ኣክሱማዊ ኦርቶዶክስ ክርስትና ከምዘይውክል ንምርኣይ፤
ሐ) ሞራል ክብርታት ኦርቶዶክስ ክርስትና ኣኵሱም ክዕቀቡን ክድንፍዑ ምግባርን ንቡር ስለዝኾነ፤
መ) ኢክርስቲያናውን ኢሰብኣውን ተግባራት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ምስ ግብርን ዶግማዊ እምነትን ኦርቶዶክስ ክርስትና ስለዝፃባእ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ግብርን እምነትን መራሕትን ሰዓብትን ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ስለዝጓነፅ እዩ።
4. ብሔራውነት ክምዕብል እንተሎ
ብሔራውነት ብኽልተ መንገዲታት ክምዕብል ይኽእል።
ሓደ፤ ኣብ ልዕሊ ሓደ ማሕበረሰብን ባህሉን ድሕንነታውን ህልውናውን ስግኣታት ክፍጠሩ እንተለዉ እዩ። እቲ ስግኣት ተፈጥሮኣውን ሰብ ሰራሕን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ጃፓን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዕብየት ዘሰጋገራ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 19 ክፍለዘበን ዝተጀመረ ብሔራውነት፤ ፍልፍሉ ካብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ውድቀትን ፀቕጢ ደጋዊ ሓይልታትን ጥራሕ ዘይኮነስ ድኽነት ሃፍቲ ተፈጥሮ (ብዘይካ ባሕሪ) እውን ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝነበሮ ጥርጥር የብሉን። እቲ ሕዚ ዘሎ ምዕሩይን መትካለውን ብሔራውነት እስራኤል ዝፈጠሮ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ውድቀት፣ ከቢድ ደጋዊ መጥቃዕትን ድኹም ሃፍቲ ተፈጥሮን እዮም። ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ እስራኤል እውን ንብሔራውነት እስራኤል ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ክዝንጋዕ የብሉን። ብሔራውነት ኣውሮፓ ዘማዕበሎ ጎነፅን ኵናትን ከም ዘለዉ ኮይኖም ከቢድ ኩነታት ኣየርን ሕማምን ዓብይ ብፅሒት ኣለዎም። ኣብ ሰብ ሰራሕ ስግኣታት ክንመፅእ እንተለና፤ ብደይመደይ ዝፍፀሙ ግብራዊ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ወታደራውን መጥቃዕቲታት ንብሔራውነት ምምዕባል ዝለዓለ ግደ ኣለዎም። ይኹን እምበር ምስ ገዚፍ ብሔር ኣብ ሓንቲ ሃገር እትነብር ንእሽተይ ብሔር፤ ባህሊ እታ ብሔር ብኣጋጣሚ ከይጠፍእ ብምስጋእ ዝፍጠር ብሔራውነት ኣሎ። እዚ ብቐንድነት ኣብ ሓራ-ዲሞክራሲ ዘማዕበላ ሃገራት ዝስተውዓል እዩ። እቲ ሕዚ ዝምዕብል ዘሎ ብሔራውነት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ባህሉን ብደጋዊ ሓይልታት ኮነ ተባሂሉ ብዝተፈፀመሉ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ወታደራውን መጥቃዕቲታትን ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ውድቀትን ዝፈጠሮ ድሕንነታውን ህልውናውን ስግኣት እዩ።
ክልተ፤ ንምዕባለ ብሔራውነት ኣበርክቶ ኣለዎ ተባሂሉ ዝእመን ካሊእ ረቛሒ ዘመናውነት እዩ። ዘመናውነት ምዕቡል ፖለቲካ፣ ቁጠባን ትምህርትን ዘለዎ ማሕበረሰብ ይፈጥር። ፖለቲካዊ ንቕሓትን ምዕቡል ቁጠባን ትምህርትን ዘለዎ ማሕበረሰብ ድማ ድሕንነቱ ኣውሒሱ ህልውንኡ ከቐፅል ይደሊ ጥራሕ ዘይኮነስ ንልዕልና ባህሉ/መንነቱ እዩ ዝቃለስ። ስለዝኾነ ድማ ንመንነቱ መሰረት ዝኾኑ መበቆላዊ ክብርታት ፈልዩ ይዕቅብን የማዕብልን። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ግን ዘመናውነት ንክስፋሕፋሕን ክምዕብልን ብቐንድነት ዝሕግዝ ሓይሊ ብሔራውነት እዩ። ዘመናዊ ማሕበረሰብ ብቁጠባ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝማዕበለን ካብ ድኽነት ዝተናገፈን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ድሕረት ተናጊፉ ባህሊ ሓራ-ዲሞክራሲ ዘማዕበለ እዩ። ባህሊ ሓራ-ዲሞክራሲ ዘየማዕበሉ ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝዓበዩ ህዝቢታት፤ ድሕንንቶም ውሑስ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ ዕብየቶም ቀፃልነት ንከይህልዎ ይኽእል እዩ። ካብ ታሪኽ ወድሰብ እንግንዘቦ ዘመናውነትን ብሔራውነትን እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ንክምዕብል ባዕሎም ንባዕሎም እናተሓጋገዙ ከምዝመፁ እዩ። ኢርነስት ገልነር ብሔራውነት ኣብ ዘመነ ኢንድስትሪ ከምዝማዕበለ እንትሕብር፤ ያኤል ታሚር ድማ ዘመናውነት ክምዕብል ቀንዲ ሓይሊ ኮይኑ ዘገልግል ብሔራውነት ከም ዝኾነ ትገልፅ። ንዝለዓለ ዘመናውነት ጃፓን ቀንዲ ሞተር ኮይኑ ዘገልገለ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 19 ክፍለዘበን ዝተጀመረ ብሔራውነት እዩ። ንፍልፍል ልዑል ብርኪ ዘመናውነት እስራኤል ኣብ ኣስታት ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝተፈጠረ ልዑል ብርኪ ብሔራውነት እዩ።
ዘይሩ ዘይሩ ዘመናውነት ካብ ድሑር ባህልን ፅውይፅዋይን ተናጊፉ ንባህሉ/መንነቱ ጥራሕ ተኣማናይ ዝኾነ ርትዓዊ ማሕበረሰብ ይፈጥር። ከም ኣበሃህላ ገልነር ዘመናዊ ሰብ ተኣማናይ ዝኸውን ንንጉስን ፍሉይ እምነትን ዘይኮነስ ንባህሉ እዩ። ኣብ ትግራይ ዘመናውነት ማዕቢሉ ምባል ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣየማዕበለን፤ ድኽነትን ድሕረትን ሱር ሰዲዱ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ካሊእ ዓለም ዝማዕበለ ዘመናውነት ኣብ ልሂቃን ትግራይ ፅዕንቶ ኣሕዲሩ ለውጢ ከምዝፈጠረ ካብ ኣረኣእያኦምን ኣተሓሳስብኦምን ምዕዛብ ይከኣል። ካሊእ ብሰንኪ እቲ ዝተፈፀመ ተግባር ዘርኢ ምጥፋእ ኣብ ትግራይ ብሔራውነት ማዕቢሉ እዩ። በዚ በለ በቲ ግን ኣብ ትግራይ ድሕሪ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ብርክት ዝበሉ ብሔርተኛ ልሂቃን ተጋሩ ተፈጢሮም እዮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን እዞም ተጋሩ ብሔርተኛታት ንብሔራዊ ክብርታት ትግራይ ክሕለቑን ዋጋ ክኸፍሉን ተራእዮም እዮም። መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ እውን ኣብዚ ደምበ እዚ ዝተፀምበሩ ይመስሉ። ካብ ድሑርን ፅውይፅዋይን ሃይማኖታዊ እምነት መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ሓራ ወፂኦም መንበረ ሰላማ ዝመስረቱ መበቆላዊ ክብርታት ትግራይ ንምዕቃብን ንምድንፋዕን ምዃኑ ጥርጥር የብሉን። እዚ ድማ ርትዓዊ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ከምዘማዕበሉ እዩ ዘመላኽት። ከም ኣበሃህላ ኣቡነ መርሓ ክርስቶስ ምምስራት መንበረ ሰላማ ለውጢ መንበር ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ መንበረ ተክለ ሃይማኖት ለውጢ ዕቅበተ እምነት፣ ኣሰራርሓን ምሕደራን ክገብር እዩ።
ብሔራውነት ብቐንድነት ብሔራዊ ህንፀት (ወይ ብሔር)፣ ምስረታ ሃገር፣ ሓርነት፣ ናፅነት፣ ብሔራዊ መንነት (ወይ ብሔራዊ ክብርታት)፣ ብሔራዊ ዓርሰ ምሕደራ፣ ማዕርነት፣ ብሔራዊ ሓድነት፣ ርትዓውነትን ዘመናውነትን ዝኣመሰሉ ኣምራት ዝሓዘ እዩ። ኣብዚ ክግለፅ ዝተደለየ ምምስራት መንበረ ሰላማ ትግራይ ምስ ብሔራውነት ዘለዎ ምትእስሳር እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ብሔራውነት ማዕቢሉ ድዩ? ዝብል ሕቶ እውን ምምላስ ኣድላዪ እዩ። ብሔራውነት ንምስረታ ሃገርን ብሔራዊ ህንፀትን ዝግበር ፖለቲካውን ማሕበራውን ምንቅስቓስ እዩ። እዚ ማለት ድማ ብሔራዊ ዓርሰ-ምሕደራ፣ ብሔራዊ ሓድነትን ብሔራዊ መንነትን ብቐፃልነት ንምርግጋፅ ዝግበር ምንቅስቓስ ማለት እዩ። ኣብ ብሔር ናይ ሓባር ብሔራዊ መንነትን ስጡም ብሔራዊ ሓድነትን ዘለዎ ህዝቢ ንረክብ።
ንፁር ዝኾነ ምስሊ ንምፍጣር፤ ፈለማ ትግራይ ብሔር ድያ ኣይኮነትን? ዝብል ሕቶ ምምላስ ኣገዳሲ እዩ።
ብሓፈሻ ብሔር ባህላዊት (traditionalist – perennial, primordial) ወይ ዘመናዊት (modern) ክትከውን ትኽእል እያ። ባህላዊት ብሔር ባህሊ ሓራ-ዲሞክራሲ ዘይብላ እንትትከውን ብወታደራውን ሃይማኖታውን ምንቅስቓስ ብንጉሳት ክትህነፅ ትኽእል እያ። ኢርነስት ገልነር ኣብ ዘመነ ሕርሻ ዝተፈጠራ ብሔራት ከም ኣብነት የቕርበን። ኣብ ዘመነ ሕርሻ ንፁር እኳ እንተዘይኮነ ብሔራውነትን ብሔርን ከምዝነበሩ ገልነር ይሕብር። ምኽንያቱ ዘመነ ሕርሻ ሓፀይነት ዝዓብለሎ መዋእል ስለዝነበረ። ትግራይ ባህላዊት ብሔር ዘብላ ኣብ ትግራይ ፍትሕን ውልቃዊ ሓርነትን የለዉን። ኣብዚ ሕዚ እዋን ዜጋታት ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ዓውድታት ብማዕርነት ዝሳተፍሉ ዕድል የለን።
ዘመናዊት ብሔር ግን ባህሊ ሓራ-ዲሞክራሲ ዘለዋ ኮይና ንዜጋታታ ፍትሕን ውልቃዊ ሓርነትን ከምኡ እውን ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ተሳትፎ ማዕረ ዕድል እትፈጥር እያ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ብሔራውነት ዘመናዊት ብሔር ንምህናፅ ዝግበር ምንቅስቓስ እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰፊሕ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምንቅስቓስ ምስረታ ሃገርን ምስፋን ዲሞክራስን እዩ። ናፅነት፣ ሓርነት፣ ማዕርነትን ፍትሕን ከምኡ እውን ምዕቃብን ምድንፋዕን ብሔራዊ ክብርታትን ካልኦትን ብዝኣመሰሉ ኣምራት ድማ ይግለፅ።
ዝኾነ ኮይኑ ቀንዲ ዋኒንና ምምስራት መንበረ ሰላማ ትግራይ ምስ ብሔራውነት እንታይ የራኽቦ? ዝብል ምምላስ እዩ። ብሔራውነት ብሔራዊ ሓድነት ይፈጥር። ብሔራዊ ሓድነት ዝፈጠረ ማሕበረሰብ ሓደ ዓይነት ብሔራዊ ድልየት ወይ ባህጊ የማዕብል። እዚ ድማ ብልሂቃን ስምምዕነት ይግለፅ። ብሔራውነት ብብሔርተኛ ልሂቃን ዝምራሕ ኮይኑ እቲ ናይ ብሔራውነት ምንቅስቓስ ባዕሉ ድማ ካልኦት ብሔርተኛ ልሂቃንን ሓይልታትን ይፈጥር። ኣብ ብሔራዊ ረብሓን ባህግን ሓድነትን ስምምዕነትን ዝፈጠሩ ብሔርተኛ ልሂቃን (ፖለቲከኛታት፣ ኣካዳሚያዊ ምሁራን፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ሲቪል ሰርቪስ ሰራሕተኛታት፣ ወታደራትን ሰብ ሃፍትን) ኣብ ሓደ ዓይነት ብሔራዊ ዕላማ ዓሲሎም ይቃለሱ።
ቅድሚ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም (ቅድሚ ወራርን ተግባር ዘርኢ ምጥፋእ ምፍፃምን) ኣብ ትግራይ ይትረፍ ዶ ንምምስራት ብሔር-ሃገረ ትግራይ፤ ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ እውን ኣብ ውሑዳት ልሂቃን ጥራሕ ዝተደረኸ እዩ። ኣብቲ እዋን መራሕቲ ሃይማኖት መንበረ ሰላማ ትግራይ ናይ ምምስራት ምንቅስቓስን ሓሳብን ኣይነበሮምን። ይኹን እምበር ድሕሪ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ዋላ እኳ ኣብ ስልታዊ ቃልሲ ፍልልይ እንተሃለወ መብዛሕቲኡ ልሂቅ ኣብ ኣድላይነት ምምስራት ሃገረ ትግራይን ሕቶ ፍትሕን ዲሞክራስን ሓድነትን ስምምዕነትን ፈጢሩ እዩ። መራሕቲ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን ትግራይ እውን ኣካል እዚ ስምምዕነት ምዃኖም መንበረ ሰላማ ትግራይ ብምምስራት ገሊፆም ኣለዉ። መንበረ ሰላማ ነቲ ተግባር ዘርኢ ምጥፋእ ክከላኸሉ ዝተሰውኡ ተጋድልቲ ክብሪ ሰማእትነት ሂቡ “ሰማእታት ሃገረ እግዚኣብሔር ቅድስት ትግራይ”15 ብምባል ዝሰየሞም እንትኸውን እዚ ድማ መራሕቲ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ስምዒት ብሔርተኛነት ከምዘማዕበሉ ዝቕልዐ ተግባር እዩ።
ድሕሪ ወራርን ተግባርን ዘርኢ ምጥፋእ መራሕቲ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን ትግራይ መንበረ ሰላማ ንምምስራት ዝወሰኑ ሓደ፤ ትካላዊ ናፅነት ንምርግጋፅ እዩ። ኣብ ምርግጋፅ ትካላዊ ናፅነት ምዕቃብ ክብርታት እታ ቤተ ክርስቲያን ውሑስ ይኸውን። ምኽንያቱ እቲ ወራር ኣብ ምዕናው ክብርታት እታ ቤተ ክርስቲያን ዘትኮረ ዝነበረ እንትኸውን ኢክርስቲያናውን ኢሰብኣውን ተግባራት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ እውን ንግብርን ዶግማዊ እምነትን ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ይጓነፆን ይፃብኦን ጥራሕ ዘይኮነስ ክብርዞ፣ ክዕብልሎን ከጥፍኦን ስለዝኽእል እዩ። ክልተ፤ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ምምስራት መንበረ ሰላማ ናፅነት፣ ሓርነትን ፍትሕን ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ከምዝገብር ስለዝኣምኑ እዮም። ውሕስነትን ምርግጋፅን እዞም መትካላት ንምምስራት ብሔረ ሃገረ ትግራይ ክውን ይገብር። መንበረ ሰላማ ድማ ንስውኣት ተጋድልትና “ሰማእታት ሃገረ እግዚኣብሔር ቅድስት ትግራይ” ብምባል ፈሊምዎ ኣሎ።
5. ስግኣት ህልውና መንበረ ሰላማ
ምምስራት መንበረ ሰላማ ሓርነትን ናፅነትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ምውሓስ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓርነት፣ ናፅነት፣ ድሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ከምዝኾነ ኣብ እዋን ምምስራቱን ድሕሪኡን ኣብ ዝነበሩ ምንቅስቓሳቱ ብዕሊ ተራእዩ እዩ። ይኹን እምበር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ መንበረ ሰላማ እንትትምስርት ንሓርነትን ናፅነትን ህዝቢ ትግራይ ዝፃብኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ንድሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘውደቑ ደጋውን ውሽጣውን ሓይልታት ኣብ ዝጠንከርሉን ትግራይ ድማ ኣብ ከቢድ ውድቀት ኣብ ዝጠሓለትሉን እዋን ኣብ መፃብብ ኮይና ስለዝኾነ ቀፃሊ ህልውና መንበረ ሰላማ ስግኣታት ከምዘለውዎ ክዝንጋዕ የብሉን።
5.1 ደጋዊ ሓይልታት
ኣብዚ ብቐዳምነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ትካላት ኢትዮጵያ እዮም። ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድን ድማ ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ምስ ኣብ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ዝተፈለመ ዘርኢ ምጥፋእ ህዝቢ ትግራይ ዝተሳተፉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ማዕረ ተሳትፎ እዩ ነይርዋ። እዚ ኢክርስቲያናውን ኢሰብኣውን ተግባር ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ መንበረ ሰላማ ንክትምስርት ቀንዲ ምኽንያት ስለዝኾነ ድሕሪ ምምስራት መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብኣቡነ ማትያስ ኣቢላ ዕርቂ ዝፈተነት እንትትኸውን ቀፂሉ ድማ ብሲኖዶስ ኣቢላ ይቅርታ ሓቲታ ነይራ። ይኹን እምበር መንበረ ሰላማ ጳጳሳት ምስ ቀብአ፤ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ንመንበረ ሰላማ ወጊዙ እዩ16። ኣቡነ ኣብርሃም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መስረቲ መንበረ ሰላማ ስጉምቲ ወሲዱ መንበረ ሰላማ ከፍርሶ ከምዘለዎ ንመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ፃውዒት ገይሩ ነይሩ17።
ብርግፅ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መድረኽ ዕርቂ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያናት ኦሮሞን ኢትዮጵያን እዩ ነይሩ ኣብ መንበረ ሰላማ ዘለዎ መርገፂ ዘንፀባረቐ። ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኦሮሞ ናይ ባዕላ መንበር መስሪታ ጳጳሳት ምስ ቀብአት፤ ኣብ መንጎ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያናት ኦሮሞን ኢትዮጵያን ከቢድ ጎነፅ ተፈጢሩ ነይሩ። ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ነዚ ዝፈፀሙ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኦሮሞ ውግዘት ኣንቢሩ ነይሩ። ኣብይ ኣሕመድ ክልቲኦም ንምትዕራቕ ኣብ ዝፈጠሮ መድረኽ ንመራሕቲ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ‘ንምንታይ ምስ መስረቲ መንበረ ሰላማ ዘይትጓነፁ? ንምንታይ ንዕኦም ዘይትውግዙ?’ ዝብል መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ኣብ ልዕሊ መንበረ ሰላማ ዘለዎ ፅልኢት ገሊፁ ነይሩ። ኣብ መፈለምታ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣኼባ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብልፅግና ፓርቲ “ምንቅስቓስ ብሔራውነት ሃይማኖት ክግራሕ ኣለዎ” ክብል እንተሎ ቀንዲ ትኹረቱ ኣብ መንበረ ሰላማ ከምዝኾነ ጥርጥር የብሉን።
ኣብይ ኣሕመድ ህልውና ትግራዋይነት ንምጥፋእ ወይ ንምድኻም ዓሊሙ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ኣብ ትግራዋይነት ከቢድ ዕንወት ኣብፂሑ እዩ፤ ትግራይ እውን ከም ትምኒት ኣብይ ምሒር ተዳኺማ። ኣብዚ እዋን እዚ መንበረ ሰላማ ብሔራውነት ትግራይ ዘነቓቕሕን መንገዲ ሃገርነት ትግራይ ዘርሕውን “…ሰማእታት ሃገረ እግዚኣብሔር ቅድስት ትግራይ” ብዝብል ኣተሓሳስባ እንትመፅእ ኣብይ ክድንግፅ ግድን እዩ። ብሓፈሻ ትካላት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ሃይማኖትን ፖለቲካን ኢትዮጵያ ተጋሩ ትካላትን ትግራዋይነትን ኣብ ምጥቃዕ ሓድነት ከምዝፈጥሩ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ዝፍለጥ ኮይኑ ሎሚ እውን ብቐዳምነት ካብ ዝስርዑ ስግኣታት ቀፃሊ ህልውና መንበረ ሰላማ ከምዝኾኑ ግሁድ ሓቂ እዩ። ብተወሳኺ ኣኵሱማዊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክርስትና ክምዕብል ዘይደልዩ ፀላእቲ ርሑቕን ቀረባን እውን ንመንበረ ሰላማ ከፍርሱ ክፅዕሩ እዮም። ቀፃሊ ህልውና መንበረ ሰላማ ንምስረታ ሃገረ ትግራይ መንገዲ ስለዝፀርግ ትግራይ ሃገር ክትከውን ዘይደልዩ ካልኦት ሓይልታት ንመንበረ ሰላማ ከም ዝፃብኡ ምፍላጥ ኣገዳሲ ይኸውን።
5.2 ውሽጣዊ ተፃብኦታት
መንበረ ሰላማ ውሽጣዊ ተፃብኦታቱ ካብ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን እዩ ክፍልፍል ዝኽእል። ሓደ፤ ፅልዋ ኢትዮጵያዊ ኦርቶዶክስ ክርስትናን ማሕበረ ቅዱሳንን ዘለዎም ተጋሩ እዮም። ዋላ ካብ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ፅልዋ እዞም ትካላት ፀቕጢ ዝፈጠርሎም ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ክልተ፤ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ንሓርነት፣ ናፅነት፣ ድሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዝነበረን ዘሎን ካብ ንትግራዋይነት ንኢትዮጵያውነት ዝቃለሱን ዝሕለቑን ተጋሩ ዝፍልፍል ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን እዩ። ሰለስተ፤ ህወሓታዊ ኣተሓሳስባ እዩ። መራሕቲ ህወሓት ብኢትዮጵያውነት ዝኣምኑ ኮይኖም ህልውናዊ ሓደጋ እንትገጥሞምን ስልጣንን ሃፍትን ንምቁፅፃርን ትግራዋይነት ንመቃለሲ ስልቲ እዮም ዝጥቀምሉ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣለቃ ፀጋይ በርሀ (ፕረዚደንት ትግራይ ዝነበረ) ኣብ መንበረ ሰላማ ብህወሓት ተመዲቡ ዝሰርሕ ዘሎ መንበረ ሰላማ ኣብ ረብሓ ህወሓት ንምውዓል እምበር ንህንፀት መንበረ ሰላማ ተገዲሱ ኣይኮነን። ስለዚ ብርኪ ስግኣቶም ክፈላለ ይኽእል እምበር ስግኣት መንበረ ሰላማ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነትስ ህወሓታዊ ኣተሓሳስባ እውን ስግኣት ከምዝኸውን ጥርጥር የብሉን።
መዘክር
- Joseph A. Tainter, 1988; Ian Morris, 2013
- Joseph A. Tainter, 1988; Jared Diamond, 2005
- Aleksandar Pavkovic, 2000; Vjekoslav Perica ,2002, p 63
- Adam Yuet Chau, The Nation in Religion and Religion in the Nation, in Cheng-tian Kuo edn., Religion and Nationalism in Chinese Societies, 2017, p 117
- ኣቡነ ጴጥሮስ፣ የቅዱስ ሲኖዶስ ዋና ፀሓፊና የሰሜን ኣሜሪካ የኒውዮርክና ኣከባቢው ሊቀ ጳጳስ. https://www.youtube.com/watch?v=zUCID2Ygk64
- ማቴዎስ 25፡35፣ መጽሓፍ ቅዱስ፣ የብሉይና የሓዲስ ኪዳን መጻሕፍት፤ የኢትዮጵያ መጽሓፍ ቅዱስ ማሕበር፣ 1980
- ርእዮት ሚዲያ: https://www.youtube.com/watch?v=zRNdm_El-jM
- ኣቡነ ጴጥሮስ፣ https://www.youtube.com/watch?v=zUCID2Ygk64
- ኣቡነ ሚካኤል የደቡብ ጎንደር ዞን ሃገረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ እና የቅዱስ ሲኖዶስ ኣባል. https://www.youtube.com/watch?v=n6Xe1B8uSVA
- ዝኒ ከማሁ
- https://www.youtube.com/watch?v=7nZm0lM6HPs
- ኣቡነ ፋኑኤል፣ የዋሺንግተን ዲሲና ኣከባቢው ሊቀ ጳጳስ፤ ብ2013 ዓ.ም ኣቡነ ማትያስን ለመቃወም የሰጡት መግለጫ. https://www.youtube.com/watch?v=8G4NkuPT7cg
- ቅዋም ሲኖዶስ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ማትያስ በኣቡነ ዮሴፍ የተሰጠ መግለጫ. https://www.youtube.com/watch?v=7nZm0lM6HPs
- ኣቡነ መርሓ ክርስቶስ፤ ዓዲግራት፣ ማይጨውን ሰሜን ኣሜሪካን ኣህጉረ ስብከት ሊቀ ጳጳስን ስራሕ መካየዲ መንበረ ሰላማ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይን ምስ ፅዮን ሚዲያ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ 2015 ዓ.ም.
- ውሳነን መምርሕን መንበረ ሰላማ ካሣቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ቤት ጽሕፈት፤ መስከረም 24፣ 2016 ዓ.ም
- ወቅታዊ ጉዳይ፣ ከኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ጽ/ቤት የተሰጠ መግለጫ። https://www.youtube.com/watch?v=AlfXrkBjqyg
- ኣቡነ ኣብርሃም፣ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ባሕሪ ዳርን ዋና መካየዲ ስራሕ መንበረ ፓትሪያሪክ ጠቕላላ ቤተ ክህነትን። https://www.youtube.com/watch?v=AlfXrkBjqyg
ፍልፍል
Adam Yuet Chau, The Nation in Religion and Religion in the Nation, in Cheng-tian Kuo, 2017 edn., Religion and Nationalism in Chinese Societies, Amsterdam University Press.
Aleksandar Pavkovic, 2000. The Fragmentation of Yugoslavia: Nationalism and War in the Balkans, Antony Rowe Ltd, Chippenham, Wiltshire, Second edition.
Ernest Gellner 1983. Nations and Nationalism. Cornell University Press, Ithaca, New York
Ernest Gellner, 1997. Nationalism. Weidenfeld & Nicolson, London.
Ian Morris, 2013. The Measure of Civilization: How Social Development Decides the Fate of Nations. Princeton University Press.
Jared Diamond, 2005. Collapse: how societies choose to fail or succeed, VIKING, Published by the Penguin Group.
Jared Diamond, 2019. Upheaval: turning point for nations in crisis, Little, Brown and Company Hachette Book Group 1290 Avenue of the Americas, New York, NY 10104.
Joseph A. Tainter, 1988. The collapse of complex societies. (New studies in archaeology). Cambridge University Press.
Paulo Freire, 1970. Pedagogy of the oppressed. The Continuum International Publishing Group Ltd The Tower Building, 11 York Road, London SE1 7NX.
Shmuel Noah Eisenstadt, 2003. Comparative civilizations and multiple modernities, Koninklijke Brill nv, Leiden, The Netherlands.
Vjekoslav Perica ,2002. Balkan idols: religion and nationalism in Yugoslav states. Oxford University Press, Inc.
w. G. Beasley, 1999. The japanese experience: A Short History of Japan, Weidellfeld & Nicolson, London
Yael Tamir, 2019. Why Nationalism, Princeton University Press, 41 William Street, Princeton, New Jersey 08540.
Yehouda Shenhav, 2006. The Arab Jews: A Postcolonial Reading of Nationalism, Religion, and Ethnicity, Stanford University Press Stanford, California.
Editor’s Note: The opinions expressed in the articles published on UMD Media are solely those of the individual authors and do not necessarily reflect the views or opinions of the editorial team or UMD Media as an organization. The publication of any opinion piece does not imply endorsement or agreement by UMD Media. Readers are encouraged to critically evaluate the content and form their own conclusions. Leave your comments below. Send us your thoughts and reflections to umd.media.2020 at gmail dot com.
Add comment