ብህንፃ ትግራይ
ለካቲት 8 2017 ዓም
ምስረታ ህወሓት፣ ኣድላይነቱን ብሄራዊነቱን(?) እንትንፍትሽ፡ መዋልዶ ባይታ(መፈጥር ምኽንያት) ህወሓት ቁሩብ ተፍታሽ የድልዮ ኢለ ይኣምን።
ንህወሓት ቀረባ ካብ ዝነበረ ጆን ያንግ ክሳብ ነበር ኣመራርሓ ህወሓት ዝነበሩን ካብቲ ውድብ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝለቐቁን ገብሩ ኣስራት፣ ኣረጋዊ በርሀን ሙሉጌታ ገሂወትን ክሳብ ሓዱሽ ድምፂ ናይዚ ዘመን ብሄራዊነት ዝኾነ ተኽሊት ገመስቀልን ከምኡ ድማ Identity Jilted or Re-imagining Identity ዝብል ኣብ ብሄራዊነት ትግራይ pioneer ክበሃል ዝኽእል መፅሓፍ ዝፀሓፈ ኣለምሰገድ ኣባይ፡ ሓደ መዋልድ ምኽንያት ህወሓት ናፍቕን ስምዒትን ውነና ስልጣነ ኣክሱም ተወሳኺ ድማ ድሕሪ ሞት ንጉስ ፅዮን ዮሃንስ ኣብ ትግራይን ተጋሩን ዝበፀሐ ‘ውርደት ሓደ ክ/ዘመን’ ካብ ዝፈጠሮ ኒሕን ከም ዝብገስ ኣብ መመፃሕፍቶም ይስማዕምዑ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ንህወሓት መሰረት ዘንፀፈ ማገብት(ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ) ውፅኢት ውዕይ ምንቅስቃስ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ምዃኑ፡ ኣብቲ ዘመን ምስ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስን ቃልሲን ማርክሲዝም(ኮሚኒዝም) እቶም ተወሰኽቲ ምኽንያታት መዋልዶ ባይታ ህወሓት ከም ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ፀሓፍቲ ታሪኽን ፖለቲካን ዝኣምንዎ ኣነ እውን ዝቕበሎ መዋልዶ ባይታ ህወሓት እዩ።
እዚ መዋልዶ ባይታ ህወሓት ብውፅኢቱ፡ ህወሓት ‘መንታ መንነት’ ሒዙ ክፍጠርን፡ ኣብ መንጎ ትግራዋይ ብሄራዊነት፣ ኢትዮጵያዊነትን ዓለምለኻዊ ፍልስፍና ኮሚኒዝምን ክመላለስ(ሸለውላጋ ክብል) ምኽንያት ኾይኑ እዩ።
ዋና ሊሂቃን ህወሓት(ብፍላይ ድሕሪ ምስረታ ማሌሊት) ናብ ቅድሚት ዝመፀ ሓይሊ፡ ምስ ናፍቕ ኣክሱምን ናይ ዮሃንስ ኢትዮጵያን ተተሓሒዙ ዝፈጠርዎ ናይ ትንታነ ጌጋ፡ ነዚ ዝለዋወጥን ሸለውላጋ ዝብል ቅዋምን ኣብ ምሓዞም ዝለዓለ እጃም ኣለዎ። ንምንታይ ዝብል ዝተፈላለዩ ነጥብታት ምልዓል ዝከኣል ኾይኑ ዋና ሕመረቱ ግን ‘ማእኸልነታ ትግራይ ኣብ ዝገበረት ናይ ዮሃንስ ኣቢሲንያን ማእኸልነታ ሽዋ ኣብ ዝገበረት ናይ ምኒሊክ ኢትዮጵያን ፈላልዮም ክሪኡ ካብ ዘይምኽኣሎም ዝፍልፍል’ ኾዩኑ ንረኽቦ።
1. ኣድላይነት ምስረታ ህወሓትን ብሄራዊነቱን(?)
ሞት ንጉስ ፅዮን ዮሃንስን ምስረታ ሓዳሽ ምኒሊካዊት ኢትዮጵያን ስዒቡ ትግራይን ደቂ ብሄረ ትግራይን ‘ውርደት ሓደ ክዘበን’ ሓደ ኢሎም ጀመሩ። ሓደ ዝነበረ ብሄረ ትግራይ ናብ ኽልተ ዝተመቐለሉ፣ ካብ ማእኸልነት ሃፀያዊ ግዝኣት ኣቢሲንያ ናብ ወሰን(periphery) ዝተደፈአሉን፣ ወናንነት ዓዲ ዝተመንጠለሉን ሕማቕ ኩነት ድማ፡ እቲ ብፖለቲካዊ ጉርሒ ሽዋን colonial ambition ጣልያንን ዝተዓመመ ፖለቲካ ውፅኢቱ ኾኑ።
ዋና ሊሂቅ እቲ ዘመን ዝነበረ ነጋድረስ ገሂወት ትግራይ ‘ዘመነ ሼ’ እናበለ ነቲ ዘመን እንትፅውዖ፡ ኣጓብዝ ትግራይ ከም ደቂ ዛግራ ናብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈት ዝተበተንሉ፡ ትግራይ ሓደሽቲ ልምዓት ዝረአየላ እንተይኾነትስ ፍራስ ነበር ስልጣነኣ ጥራይ ናብ ዝረአየላ ሲኦል ከም ዝተቀየረት ዝገለፀሉ ነጥቢ ንሕሰም እቲ ዘመን ኣፀቢቑ ይገልፆ።
ኣብ proper Tigray፡ መቐለ ነቁጡ(ማእኸልነት መንግስቱ ትግራይ ገይሩ) ንቀይሕ ባሕሪ ዝጥምትን ንሙሉእ ኣቢስንያ ዝተቆፃፀረን መንግስቲ፡ ድሕሪ ሞት ንጉስ ፅዮን ዮሃንስ ማእኸልነቱ ተመንጢሉ ማእኸልነት ናይ ሚኒሊክ ጦብያ ኣዲስ ኣበባ ኾነ። ኣብዚ ሚኢቲ ዓመት እዚ ብሄረ ትግራይ(ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያንን ኣብ ትሕቲ ዕብለላ ሽዋን ዝኣተወ) ኣዝዩ ገዚፍ ዝበሃል መከራ ክርኢን ካብ መንነቱ ክርሕቅን ብዙሕ ተሰርሐ።
1967 ተሓህት(ህወሓት) ንብረታዊ ቃልሲ ንደደቢት ቅድሒ ምውራዱ ይኹን ንናፅነት ዝጥምት ቃልሲ ኤርትራ ቅድሚ ምፍላሙ፡ ኣብ ክልቲኡ መረብ ይርከቡ ብዝነበሩ ብሄራውያን ኣቦታት ትግራይ ትግርኚ ዝተመርሑን ንዚ ወናኒ ስልጣነ ዝኾነ ብሄር ካብ ውርደት ከናግፉ ዝጠመቱን ፖለቲካዊ ቃልስታት ተፈቲኖም እዮም። ራእሲ ሃ/ስላሴ ጉግሳ፣ ወልደኣብ ወልደማርያም፣ ራእሲ ተሰማ ኣሰመሮምን ውዳበኦም ሊበራል ፕሮግረሲቭ ፓርቲን ድማ ኣብ ቅድሚት ይፅርሑ። ዋላኳ noble cause ዝተሰከሙ ሓሳባትን ፈተነታትን እንተነበሩ እዞም ትግራይ ትግርኚ(Historic Tigray) ናብ ሓደ ኣምፂኻ ሃገር ንምውናን ዝተኻየዱ ፈተነታት ብውፅኢት ዕውታት ኣይነበሩን።
ገባራት ትግራይ ዝወልዕዎ፡ ቃልሲ ቀዳማይ ወያነ እውን፡ ንመዋቕራዊ ለውጢን ን reconfiguration ዝጥምት ነይሩ ንምባል ተዘይተኽኣለ፡ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ፀኒሑ ንዝተወልደ ብረታዊ ቃልሲ ኻልኣይ ወያነ ሰፊሕ ሞራላዊን መንፈሳውን ድጋፍ ሂቡ እዩ።
2. ህወሓት…
መዋልዶ ባይታ ህወሓትን ድሕሪ ዮሃንስ ዝሰዓበ ውርደት ብሄረ ትግራይ ቁሩብ ካብ ፈትሽና፡ ኣድላይነትን ብሄራዊነትን(?) ህወሓት ድማ ቁሩብ ተፍታሽ የድልዮ እዩ።
መዋልዶ ህወሓት ከምቲ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ዝተሓዋወሰን ዝተፈላለየን ምኽንያታት ስለዝነበርዎ፡ ካብ ‘ህወሓት ብሄራዊ ነይሩ ዶ? ዝብል ንቡር ሞገት ክሳብ ‘ምምፃእ ህወሓት ኸ ኣድላይይ ድዩ ነይሩ?'(ብፍላይ ድሕሪ ኹናት ፅንተት ብሓዱሽ ወለዶ ትግራይ ዝለዓል sensitive ዝመስል ሓሳብ) ክለዓልን ንሞገት ክቃላዕን ኾይኑ እዩ።
ኣብ ኣድላይነት ምምፃእ ህወሓት እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተወከስናዮም ፀሓፍቲ ተመሳሳሊን ‘ክመፅእ ግቡእ ነይሩ’ ዝብል ሓሳብ ይረዳድኡ። ትግራይ ንሓደ ክዘበን ዝመፀቶ ኩነት፣ ሕሰም ብሄረ ትግራይን ኣብቲ ዘመን ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ምቅላስ መንፈስ እኹላት structural factors ከም ዝነበሩ ይስማዕምዑ። ህወሓት ብሄራዊ ነይሩ ዶ? ንዝብል ሞገት ግን ዝተፈላለዩ ሓሳባት ካብቶም ዝተወከስናዮም ፀሓፍቲ ይኹን ኣብ ዝተፈላለዩ ተመራመርትን ኣመራርሓን እቲ ውድብ ንረክብ።
ጆን ያንግ፣ ጆን ማርካኪስን ክርስቶፈር ክላፋምን ብ2021 ኣኣ Nation State, A Wrong Model For The Horn Of Africa ብዝብል ርእሲ ዘዳለውዎ መፅሓፍ ኣሎ። ንህወሓት ቀረባ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ጆን ያንግ Bolshevism and National Federalism In Ethiopia ብዝብል ርእሲ ንፖለቲካዊ ቃልስን ኣተሓሳስባን ህወሓት ፆሚቁ እንትገልፆ ‘class in content, nationalist in form’ ኢሉ ይገልፆ። Identity Jilted or Re-imagining Identity ዝፀሓፈ ኣለምሰገድ ኣባይ ብወገኑ ‘TPLF rational actors led a nationalist struggle without being a nationalist’ ብምባል እቲ ዋና መሪሕነት ህወሓት(ብፍላይ ድሕሪ 77 ንቅድሚት ዝመፀ) ብሄራዊ እንተይኾነስ ደርባዊ ተቃላሲ ከም ዝነበረ ይገልፁ።
ኣብዚ እንተተልዓለ ዝጠቅም መቐለ ሆቴል ኣክሱም ኣብ ዝተገበረ ዋዕላ(2010 መስለኒ) ካብ ዋና መስረትቲን መራሕትን ህወሓት ሓደ ዝነበረ ኣባይ ፀሃየ እውን ምስ ጆን ያንግ ብምስምዕማዕ ‘ህወሓት ደርባዊ ሓይሊ እዩ፡ ብሄራዊነት ንስልቲን ከም መሳልልን ኢና ተጠቂምናሉ’ ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።
ካብዚ ብዝተፈለየ መገዲ Laying The Past To Rest ኣብ ዝብል መፅሓፉ ይኹን ኣብ ሓምለ 2013 ንመፅሄት ረመፅ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ሙሉጌታ ጫልቱ ህወሓት ብሄራዊ ፕሮግራም ከም ዝነበሮ ዝሙግት ኾይኑ ‘leftist orientation ስለዝነበረና ርድኢት ብሄራዊነትና ደርባዊ ትሕዝቶ ነይርዎ እዩ’ ብምባል ይሙግት።
ንታሪኽ ፖለቲካ ትግራይ ዘፅነዐ ተኽሊት ገመስቀል ሕቶ ትግራይ ኢሉ ኣብ ዝሰየሞ መፅሓፉ ‘ኣብ መፈጠሩ ህወሓት ብሄራዊ ባእታ(element) ዋላ እንተነበሮ ውፁእ ብሄራዊ ሓይሊ ከምዘይነበረ ግን ንግገሓት ገና ኣብ 68/9 ብምብላዕ ኣረጋጊፁ እዩ’ ይብል።
ውርደት ሓደ ክዘበን ንምብታኽ ሓደ ብሄራዊ ሓይሊ ክፍጠር structural factors ከም ዝነበሩ ኣነ እውን ዝስማዕማዕ ኾይነ፡ መንታ መንነት ብዝተሰከመ(ውፁእ ብሄራዊነት ትግራይ ብዘይተሰከመ) ሓይሊ ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምምርሑ ግን ክሳብ ሐዚ ንሪኦም ንዘለና ሕማቕ ሳዕቤናት ኣሳጢሑና እዩ ኢለ እኣምን።
3. ምፅኣ-ማሌሊት – 1977
3.1 ድሕረ ባይታ
ካብ ፈለማ ምስረትኡ ጀሚሩ ኣብ ህወሓት ውሽጢ(within TPLF) ሓደ ማርክሰ-ሌኔናዊ ፓርቲ ክፍጠር ድልየት ኣመራርሓ እቲ ግንባር ኸምዝነበረ ሙሉጌታ ጫልቱ ይኹን ኣረጋዊ በርሀ ኣብቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም መፃሕፍቲ ይፀውዩና። ኣመራርሓ ህወሓት፡ ፖለቲካዊ ኩነታት ጦብያ ንምርዳእ ይኹን ስልትን ስትራቴጅን እቲ ቃልሲ ንምሕንፃፅ ንማርክሰ-ሌኒናዊነት ከም መነፀሩ ይጥቅም ነይሩ። ህወሓት ከተማ ዝማእኸሎም ስቱር ምንቅስቓሳት(clandestine) ከጥሽ ልዑል ፃዕርታት ይገብረሉ ኣብ ዝነበሩ እዋናት እውን ብህዋስ(cell) ኣብ ዝተደራጀዩ ጉጅለታት ስነሓሳብ ማሌ (theories of Marxism) ይፅንዑ ከም ዝነበሩ ታሪኽ ህወሓት ዘፅንዑ ፀሓፍቲ ይፀውዩኒ።
ፈላማይ ማኔፌስቶ ህወሓት ርዕዮተ ዓለማዊ መምሪሒኡ ማርክሰ-ሌኔናዊነት ከምዝኾነ እውን ኣስሚርሉ ነይሩ። ይኹን እምበር ቀዳማይ ጉባኤ ህወሓት፡ ዲሞክራሲያዊ ወያነ ዝብልዋቶ ሶሻሊስት ወያነ(Socialist Revolution) ምስ ዝብልዋቶ ሓሳብ ግርታ ስለዝፈጠረ፡ ፈላማይ ፕሮግራም ህወሓት ብዲሞክራሲያዊ ወያነ ጀሚሩ(in the short run) ናብ ሶሻሊስታዊ ሪቮሉሽን ከሰጋግር ብምሕሳብ ነቲ ፕሮግራም ኣብ ዲሞክራሲያዊ ወያነ ብዝብል ክቅንበብ ገበርዎ።
እዚ ፈላማይ ጉባኤ፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ንዘሎ ናይ ማሌ ኮር ቅቡል ብምግባር፡ እዚ ኮር ማሌ ሶሻሊስት ሪቮሉሽን ከምፅእ ብምእማን ኣስተምህሮቱ ከስፍሕን ኣብ መወዳአሰታ ድማ ማርክሰ-ሌኒናዊ ውድብ ክፈጥር ፈቂዱ እዩ።
ድሕሪ እዚ ነይሩ እምበኣር፡ ንክፍሊ ፖለቲካ ከም ብሓዱሽ ክውደብ ብምግባር(reorganize ብምግባር) ቤት ትምህርቲ ካድረ ኸፊቱ፡ ዳሓረ ንዝፍጠር ማርክሰ ሌኒናዊ ውድብ ዝኾኑ ብቁዓት ካድረታት ከሰልጥንን ከፍርን ዝጀመረ።
እዞም ምዕባለታት፡ ማሌሊት ብሓደ ለይቲ ዝተፈጥረ ወይ እውን ተሓቢኡ ዝተሰንከተ ከምዘይኾነ ይነግረና። ህወሓት ካብ ብጉሓቱ ደርባዊ ዕላማ ዋና ዕላምኡ ዝገበረ ሓይሊ እዩ(ውፁእ ብሄርተኛ ኣይነበረን) ንዝብል ሞገትና ድማ ዘረጋግፅ ኸይዲ ኾይኑ ረኽቦ።
3.2 ምስረታ ማሌሊት
ቃልሲ ህወሓት ዓስራይ ዓመቱ ምስ መለአ ነይሩ፡ ንነዊሕ ግዘ ዝተሰርሐሉ ማርክስ ሌኒናዊ ውዳበ ብዕሊ ናብ ምጣሹ ዝተብፀሐ። ንምስረታ ማሌሊት ዝመርሕን ብግደይ ዘርኣፅዮን ዝምራሕን ኮሚቴ(Party Formation Preparatory Committee) ድማ ኣብ መፈለምታ 1977 ተጣየሸ። ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት እዚ ኮሚቴ ብግደይ እንተይኾነስ ንክፍሊ ፖለቲካ ይመርሕ ብዝነበረ ኣባይ ፀሃየ እዩ ክምራሕ ዝግበኦ ዝብል ክትዕ ብምልዓል ድማ ግደይ ብኣባይ ክትካእ ገበረ።
ንምስረታን ጉባኤን ማሌሊት ዝኾኑ ፅሑፋት ምድላው ዝጀመረ እዚ ኮሚቴ
1) ገምጋም ዓሰርተ ዓመት እቲ ግንባር ዝምልከት
2) ፖሊሲ ወፃኢ ጉዳይን ትግበርኡን ዝምልከት
3) ምስ ወታደራዊ ስትራቴጂ ተተሓሒዙ
4) ኣሰላልፋ ማሕበራዊ ደርብታት(Social classes) ዝምልከት
5) ኣብ ሓራ መሬት ዝርከብ ምሕደራ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ዝምልከቱ ነጥብታት ድማ ዋነ ፍረነገር ዘዳለዎ ሰነድ ገይሩ ንጉባኤ ማሌሊት ምድላው ወገነ።
3.3 ቀዳማይ ጉባኤ ማሌሊት፡ ሓምለ 1977 ወርዒ
ኣብ ወርዒ ዝተኻየደ ቀዳማይ ጉባኤ ማሌሊት፡ ኢህዴን(ደሓረ ብኣዴን) ዝኾነን ሓደ ኣብ መእተወን መዕፀውን እቲ ጉባኤ ዝተረኸበ ናይ ምብራቕ ጀርመን ኮሚኒስት ፓርቲ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝተዓደምሉ መድረኽ ነይሩ።
ን13 መዓልቲ ዝተኻየደ እዚ ጉባኤ፡ ካብቲ 13 መዓልቲ እቲ ዓሰርተ ናይቲ ቃልሲ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ምግምጋም ዘነፃፀረ ነይሩ። ናይ ገምጋም ነጥቢታት፡
ሀ) ፍልቀት ፖለቲካዊ ፕሮግራም ህወሓት
ኣብዚ ግምገማ ነቲ ንሃገረ ትግራይ declare ዝገበረን ብ68ን ዝወፀ ማኒፌስቶ ህወሓት(ናይ ሓደ ወርሒ ህይወት ጥራይ ዝነበሮን በቁልጡፍ ሃገርነት ክክሕድ ዝተገበረ)፡ ሃገረ ትግራይ ዝብል ሓሳብ ናይ ውሑዳት ኣባላት መሪሕነት ድሌት ዝተንፀባረቀሉን ፀቢብነት ከምዝነበሮን ብምግምጋም ብቁልጡፍ ከንሳሕብ ምኽኣሉ(ምስተኽኻሉ) ልክዕ ከም ዝነበረ ገምጊሙ።
እዚ ገምጋም ህወሓት ውፁእ ብሄራዊ ሓይሊ ትግራይ ኣይኾነን ወይ ኣይነበረን ንዝብል ሞገተይ ተወሳኺ መረጋገፂ ነጥቢ ኾይኑ ድማ እረኽቦ።
ኣብዚ ገምጋም ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣምራት(concepts) ሓያሎ ክትዕ ዝተኻየደ ኾዮኑ፡ ቀዳማይ ፕሮግራም ህወሓት(71) ንዲሞክራሲን ሶሻሊዝምን ቀይጡ ንዝቀንበቦ ፕሮግራም democratic revolution፡ ምስ ኣሰላልፋ መደባት ተተሓሒዙ ብፍላይ ብሄራዊ ብርዥዋን ሃፍታም ሓረስታይን ኣመልኪቱ መንጎ ነቲ ፈላማይ መራሕቲ(founding leaders ወይ እውን pro status quo) ዝውክል ግደይ ዘርኣፅዮንን ኣባይ ይመርሖ ኣብ ዝነበረ ‘ሓይሊ ለውጢ’ ዝወከለ መለስ ዜናዊን ብርቱዕ ሞገት ከምዝተገበረ ሙሉጌታ ጫልቱ ኣብ መፅሓፉ ይነግረና።
ግደይ ‘ሃፍታም ሓረስታይ ንቃልሲ vacillate ስለዝገብር ስትራቴጂክ መሓዛ ቃልስና ክኸውን ኣይኽእልን’ ዝብል ሓሳብ ሒዙ እንትሙግት መለስ ተፃራሪ ሓሳብ ብምሓዝ ሞጊቱ ኣብዚ ሓሳብ ተዓዊቱ ክወፅእ ክኣለ።
ለ) ወታደራዊ ጉዳያት
እቲ ሰነድ ገምጋም ንወታደራዊ ስትራቴጂ እቲ ውድብ እውን ገምጊሙ ነይሩ። ኣረጋዊ በርሀ ይመርሖ ንዝነበረ ወታደራዊ ክንፊ፡ ዋላ እውን እቲ ውድብ ብህይወት ክፀንሕ ኣብ ምግባሩ ዝተኸተሎ ስትራቴጂ ኣድናቆት እንተቅረበ፡ ደውታ ከም ዝገጠሞ ግን ዝግምግም ነይሩ። ብፍላይ ኣረጋዊ ካብ ደርጊ ንዝመፆም counter insurgency ንምክልኻል ናብ ‘ማእኸል ዓዲ’ ብምኻድን soft targets ኣብ ምጥቃዕ ንዝሓንፀፆ ስትራቴጂ ግጉይ እዩ ብምባል ጉጅለ ‘ለውጢ’ ብሓያሎ ሞገትዎ። ካብ ትግራይ ዘይዘልል ፕሮግራም ሒዝኻ ንማእኸል ዓዲ ንወታደራዊ ጉዳያት ምኻድ ጌጋ እዩ ዝበለ ሓይሊ ለውጢ፡ ንማእኸል ዝግበር ገስጋስ ምስ ለውጢን ምምሕያሽን ፖለቲካዊ ፕሮግራም(ንኢትዮጵያ ዝሓውስ ፕሮግራም) ጥራይ እዩ ክሳለጥ ዝግባእ ዝብል ቅዋም ሓዘ። (እዚ ሓሳብ ንመለስን ስየን ናብ ቅድሚት ኣምፂኡ ዘካትዐ ‘ሓይሊ ለውጢ’ ውፁእ ብሄራዊ ትግራይ ኣይኾነን ዝብል ጥራይ ከይኾነስ ሓደ ንሙሉእ ጦብያ ዝውክል ማርክሰ ሌኒናዊ ውዳበ ዝሃንደሰ ከምዝነበረ እውን የረጋግፀልና። ዳሓረ እውን ምስ ኢህዴንን ካልኦትን ኾይኑ ነቲ ጦብያዊ ውዳበ ማርክሰ ሌኒናዊነት መስሪቱ ነይሩ እዩ)
ሐ) ውሽጣዊ መስርሕ ኣመራርሓ ኣብ ምውጻእን ኣተገባብራን ፖሊሲ፡ ኢምፕሪሲዝም
ንውሽጣዊ መሪሕነት እውን ዝገምገመ ኾይኑ፡ እቲ መሪሕነት ዓሰርተ ዓመት፡ ምስ ፖሊሲ ሕንፀፃን ትግበርኡን ተተሓሒዙ ንስነሓሳብን መፅናዕትን ብዙሕ ዘይግደስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንዘመን ኣገልግሎት ሪኡ ሓላፍነትን ስልጣንን ዝህብን ካብ ምርመራ ፅንዓትን ስነሓሳብን ዘይብገስ ነይሩ ኢሉ ገምገሞ። ብውፅኢቱ እቲ ውድብ ክንዲ ዝግባእ ዕውት ከይኾን ገይርዎ ዝበለ ‘ሓይሊ ለውጢ’ ነዚ ድኽመት ኢምፕሪሲዝም ኢሉ ፀወዖ።
መ) ምሕደራ ዝምድና ምስ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን ካልኦት ግዳማዊ ሓይልታትን
ምስ ደጋዊ ሓይልታት ዝነበረ ርክብ ኣመልኪቱ ድማ ገምጋም ኣካይዱ እዩ። ኣብዚ ብፍላይ ንሻዕብያ ማእኸሉ ዝገበረ ገምጋም ኣሳሊጡ። እቲ መሪሕነት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሻዕብያ ዝነበሮ ቅዋም(ሻዕብያ nationalist entity ኾይኑ ናፅነት ጥራይ ዝብል ዕላማ ዝተሰከመን እምበር transformative agenda ዘይብሉን ስልታዊ እምበር ስትራቴጂካዊ መሓዛ ክኸውን ኣይኽእልን ዝብል ቅዋም ነይርዎ) ዝብል ነይሩ።
ይኹን እምበር እዚ ቅዋምና ብዕሊ ክግለፅ ነይርዎ ዝበለ ‘ሓይሊ ለውጢ’፡ ነቲ መሪሕነት ዓሰርተ ዓመት ‘ፕራግማቲዝም’ ተወሳኺ ፀገሙ ነይሩ ብምባል ገምገሞ።
ረ) ኣብ ሓራ መሬት ዝነበረ ምሕደራ ማሕበረ ኢኮኖሚ
ኣምር ዓርሰ ምርኮዛ ብትኽኽል ይሰርሕ ከምዘይነበረ እውን ተገምጊሙ እዩ። ተዋጋኢ ሓይሊ እቲ ግንባር ኣብ ሕርሻ ገባራት over invest ከምዝገበረን፡ ናይ ሓረስቶት ናይ ምምራት ዓቕሚ ብዘዐቢ መልክዑ ክስተኻኽልን ድማ ተኣንፊትሉ።
እቶም ዝተረፉ ሰለስተ መዓልታት ንፕሮግራምን ስሪትን እቲ ውድብ ክኾን ዝተዳለወ ሰነድ ዝፀደቀሉን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተመረፀሉን ነይሩ። ማሌሊት ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ኻልኣይ ወያነ ንፈለማ እዋን ሸውዓተ ኣባላት ዝሓቆፈ ቁፅፅር ኮሚሽን ዝተብሃለ ኦርጋን እውን ዘጠሸ ኾይኑ ህወሓት እውን ድሕሪኡ(ኣብ ሳልሳይ ጉባኤኡ ነይሩ ንፈለማ እዋን ቁፅፅር ኮሚሽን ዝተብሃለ ኦርጋን ክህልዎ ዝተገበረ)
ኣብቲ ገምጋም ሓያሎ በትሪ ዝዓረፎም ኣረጋዊን ግደይን እውን ድሕሪ ብዙሕ ክርክር ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ኾይኖምኳ እንተተመረፁ፡ ማእኸላይ ኮሚቴ ማሌሊት ንኣባልነት ፖሊት ቢሮ ከይመረፆም ተረፈ።
ንኣባይ ፀሃየ ዋና ፀሓፊኡ፡ ኣብቲ ጉባኤ ዝለዓለ ናኣዳ ዝረኸበ መለስ ዜናዊ ምክትል፡ ንስየ ኣብርሃ ድማ ወታደራዊ ሓላፊ ብምግባር ድማ ማሌሊት ምስረትኡ ኸንበተ።
ፈላማይ ጉባኤ ማሌሊት መዝሙር ‘ዘይንድይቦ ጎቦ’ ብምፍላጥ፡ ንብሄራዊነት ዝጥምቱ ውፅኢታት ጥበብ ክፍሊ ባህሊ እቲ ቃልሲ ንደርባዊን ኢትዮጵያዊን መልክዓት ዝሓዙ ንምልዕዓል ዝጥምቱ ውፅኢታት ጥበብ ዝፈለመሉ ጌርኻ ምውሳድ ይከኣል። ደርፍታትን ጭርሖታትን ‘ሰኣን ኣያ፡ ትግራይ ዓደይ ኣማዕድየ ሪአያ’ ብ ‘ድፋዕ ማሌሊት ኣይስበርን’ ተኪኡን ሓደ ንጦብያዊያን ሓይልታት ማሌ ዝተኣኻኽብ ውድብ ክምስረትን ኣንፈት ምሃብ ብምጅማር እንተናኣሰ ብመሪሕነት ብርኪ ምስ ብሄራዊነት ትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ ምፍትሑ ግልፂ ኾነ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝተወከስናዮ መፅሓፍ ኣለምሰገድ፡ ካብ ‘ኣቦታት’ እቲ ውድብ ሓደ ዝነበረ ስብሓት ነጋ(ኣቦይ) ‘ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ፀበብቲ ዳርጋ ነይርና። ካብ 1977 ጀሚሩ ግን ኢትዮጵያዊ ሓይሊ ኾይንና’ ኢሉ እንትዛረብ ንረኽቦ ኢና።
ድሕሪ ጉባኤ ማሌሊት ብዙሕ ከይፀንሑ(ግደይ ቀዲሙ 1978 መስለኒ) ኣረጋዊ ድማ ኣብ 1981 ካብቲ ግንባርን(ህወሓትን) እቲ ሓዱሽ ውዳበ ማሌሊትን ብፍቃዶም ለቂቆም ፈለማ ንሱዳን ዳሓረ ድማ ናብ ኣውሮፓ ሰገሩ(ኣብዚ ካብ ኻልኦት ብረታዊ ቃልስታት ብዝተፈለየ መልክዑ ብሰላም ምስንባቶም ኣብቲ ዘመን maturity እቲ ውድብ ክብ ከምዝበለ ዘመላኽት ነይሩ ኢሎም ዝምጉቱ ፀሓፍቲ ብዙሓት እዮሞ)
4. ሓርነት ትግራይ – 1983
ድሕሪ ምስረታ ማሌሊት እቲ ቃልሲ ዝላ ኣርእዩ እዩ ምባል ይከኣል። ሓደሽቲ ስልትታን ስትራቴጂን ተዓጢቁ ዝመፀ እዚ ውድብ ኣብ 1981 ንትግራይ ኣለምሰገድ ኣባይ ‘like genocide’ ኢሉ ካብ ዝፅወዖ ጎብጣ ደርጊ ሓራ ኣውፀኣ።
ተጋዳላይ ትግራይ ንደቡብ ገፅ ዶብ ቀዳሞት ኣቦታት ተጋሩ ዝኾነ ኣልውሃ ምስ ተቆፃፀረ፡ ’15 ዓመት ተቃሊስና ትግራይ ሓራ ኣውፂናያ ኣለና። ገዲም ይኣኽለና’ ዝብል ሓሳብ ከጓሃህር ጀመረ። እዚ ዘይተወሓጠሉን ብፍላይ ድሕሪ 1977 ሙሉእ ጦብያ ሓራ ከውፅእ ዝቆረፀን መሪሕነት ማሌሊት(ህወሓት) ‘ቤተመንግስቲ ምኒሊክ እንድሕር ዘይበፃሕና፡ ደርጊ ተጠናኺሩ ክምለሰና እዩ’ ዝብል ሓያሎ ስልታዊ ነፍሒ(propaganda) ብምክያድ ‘ብሄራዊነት’ ንዘቃለሶ ተጋዳላይ ትግራይ ገፁ ንኣራት ኪሎ ክገብር ኣእመኖ(ኣገደዶ)
1981 ዝተፈጠረ ጉዳይ፡ ምስቲ ኣብ መዋልዶ ባይታ ህወሓት ዝራእናዮ ነጥቢ ቀጥታ ረኽቢ ኣለዎ። ብመዋልዶ ባይትኡ ንሸለውላጋነት ዝተቃለዐ እዚ ቃልሲ፡ ገሊኡ ክፋሉ(ብፍላይ እቲ ተዋጋኣይን ካብ ፅንሰ ሓሳብ ደርባዊነት ርሑቕ ዝኾነን ተጋዳላይ) ድሕሪ ኣልውሃ ‘ትግራይ ዓደይ ናፃ ኣውፂአያ’ ክብል ቅቡል ይኸውን። ነቲ ሸለውላጋነት ድሕሪ 77 ኢትዮጵያዊ ሓይሊ ብምዃን መፍትሒ ዘቐመጠሉ መሪሕ ባእታ ግን ‘ንኣራት ኪሎ ምግስጋስ’ ካሊእ ልክዕ ይኸውን።
5. ኸንብት ቃልሲ ህወሓት – ግንቦት 1983
ካብ ካልኦት ኣብ ኣፍሪካ ዝተኻየዱ ብረታዊ ቃልስታት እቲ ብህወሓት ዝተመርሐ ብረታዊ ቃልሲ፡ ሓደ ብረታዊ ቃልሲ ዘካየደ ሓይሊ፡ ድሕሪ ዓወቱ ርጉእ መንግስቲ ኣብ ምጣሹ እቲ ዝበለፀ ከም ዝነበረ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተወከስናዮም ፃዕዱን ተጋሩን ፀሓፍቲ ይስማዕምዑ። ክርስቶፈር ክላፋም ኣብቲ The Horn of Africa: State Formation And Decay ዝብል መፅሓፉ ተጋሩ ዝመርሕዎ ብረታዊ ቃልሲ ካብቶም ካልኦት ናይ ኣፍሪካ ብረታዊ ቃልሲ ዝፈልዮ ካብቲ ልሙድ ሰበ ስልጣነ(Civilization) ስለዝነበሩን ብቁዕ መሪሕነት ዝሓዙን ዝብል ሓሳብ ብተወሳኺ፡ ‘ማሕበራዊ መሰረቶም Nomadic ካብ ዝኾነ ዘይኾነስ ካብ Agrarian ማሕበረሰብ ዝፍልፍልን መንግስትነት ናይ ምግንዛብ ነዊሕ ታሪኽ ስለዘለዎምን ነይሩ’ ይብል።
እቲ ቁውም ነገር ግን፡ ግንቦት 1983 ዝተኸንበተ ቃልሲ ህወሓት ንትግራይ እንታይ ረብሓ ኣምፂኡ? ዝብል ክኸውን ግድን እዩ። ኣብዚ ምስ ፀሓፊ ሕቶ ትግራይ ተኽሊት ገመስቀል ዝስማዕመዐለን ኣውንታዊ ኣበርክቶታት ክጠቅስ። ተጋሩ ንዘመናት ዝተቓለስናሉ ሕቶ መንግስትነት ብብርኪ ትካል ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ምምስራት ምኽኣሉ ሓደ ኣውንታዊ ኣበርክትኡ እዩ ኢለ ይኣምን። እዚ ብትግርኛ ዝሰርሕ ትካል ዋላኳ ታሪኻዊ መሬታት ትግራይ ብምልኣት ዘመለሰ ኣይኹን(ብሰንኪ ደርባዊ ኣመለኻኽታ መሪሕነት ህወሓት) ብቋንቅኡ ዝሰርሕ ትካል ስለዝኾነ ብሄርተኛ ወለዶ(ናትና ወለዶ) ኣብ ምፍጣሩ ልዑል ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
ካልኣይ ንትግራይ ካብ ማእኸል ናብ ወሰን ደፊኡ ብዲሞግራፊን ጂኦግራፊን ኣብ ኽልተ መቒሉ መንነት ትግራይ ከሐቅቕ ኣብ ጫፍ በፂሑ ንዝነበረ ሽዋ ዝማእኸሉ መንግስትነት፡ ካልኦት ብሄራት(ብፍላይ ኦሮሞ) ብሄራዊነቱ ዘጠጥዐሉ መንግስትነት ክሽለም ብምግባር ሙሉእ ጥፍኣት መንነት ትግራይ ካብ ምሕቃቕ ተኸላኺሉ ግዝፈት ሽዋ ድማ ክኽርከም ገይርዎ እዩ።
እቲ ሳልሳይ ድማ ትግራይ ብርቱዕ ዕጡቃዊ ሊሂቅ ክትውንን ኣብ ምግባር ዕውት ነይሩ ምባል ይከኣል።
እዞም ተነፃፃሪ ነጥብታት ዓወት፡ ህወሓት ኾነ ኢሉ ዝገበሮም ድዮም? ዝብል ንሞገት ክፍቲኳ እንተኾነ ከም ኣውንታዊ ኣበርክቶ ክረአዩ ዝኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ኣለኒ።
6. ምክፍፋል 1993ን ሳዕቤኑን
ከምቲ ዝፍለጥ ኹናት ኢትዮ-ኤርትራ ስዒቡ፡ ምስ ኣብ ኣፍ ደገ ኩናት ዝነበረ ኩነትን(ኩነታት) ኣተኣላልያ እቲ ኹናትን ስዒቡ፡ ህወሓት ናብ ምክፍፋል ኣትዩ(ኣብ ህግደፍ እውን ተመሳሳሊ ነገር ገጢሙ እዩ)
ኣብ ፈለማ ገምጋም ክፍፍል፡ ዋና ዛዕባ ዝነበረ ‘ዛዕባ ሉኣላውነት’ እኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ውዕሊ ኣልጀርስ ግን ‘ተንበርካኽነት'(ቀጥታ ምስ ዛዕባ ሉኣላውነት ዝራኸብ) ዝብል ብወገን ዳሓረ ‘ኣንጃ’ ተባሂሉ ካብቲ ውድብ ዝተሰጎገን ኣብ መፈለምታ ክፍፍል ዓብሊሉ ዝነበረን ጉጅለ ዝተሰጎመ ኣጀንዳ ነይሩ። ፈለማ ዝተስዓረ መሲሉ ዝነበረ ‘ጉጅለ መለስ’ ድማ ቦናፖርቲዝም ዝብል ኣጀንዳ ብምቕራፅ፡ ማእኸላይ ኮሚቴ ይኹን ፖሊት ቢሮ ህወሓት ንኣዋርሕ ንዘፅነሐ ሓያሎ ክትዕን ምትህርራምን ኣብፀሖ።(ብኢህአዴግ ብርኪ እውን እዚ ግጥም ነይሩ እዩ፡ ነዚ ፅሑፍ ክበሃል፡ ኣብቲ በዓል ዋና እዚ ኽፍፍል ዝነበረ ህወሓት ጥራይ ኢና ክነተኩር)
ቅድሚ ክፍፍል ህወሓት ዝነበረ ማእኸላይ ኮሚቴ ይኹን ፖሊት ቢሮ ህወሓት እቲ ውድብ ኣለውኒ ብዝብሎም ምሩፃት ኣራእስ(ideologues) ዝተመልአ ነይሩ። ኣብ ክፍፍል 1993 እዞም ኣብ ክልተ ዝተኸፈሉ ምሩፃት ኣራእስ እቲ ውድብ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ብምድላው ንኣዋርሕ ተጃፍዑ።
ብዙሓት ፀሓፍቲ ንክፍፍል 1993 ዝፈተሽዎ እንትኾኑ፡ ብወገን መለስ ዝተሰለፈ በረከት ስምኦን() ከምኡ ድማ ካብ ዋና ሓለቓታት(spearheads) ‘ኣንጃ’ ካብ ዝነበሩ ሓደ ብዝነበረ ገብሩ ኣስራት(ሉኣላዊነትና ዲሞክራሲ በኢትዮጵያ) ፅቡቕ ፈቲሾምዎ እዮም።
ካብ ማርክሲስታዊ ትንታነ ቦናፖርቲዝም ዝለዓል ትንታነ ቦናፖርቲዝም ጉጅለ መለስ ንቦናፖርቲዝም ‘ምስ ህዝቢ ዘሎ ስምዒታዊ ምትእስሳር ተበሊፅኻ፡ ስልጣን ንውልቃዊ ረብሓ እንትውዕልን ብውፅኢቱ ድማ ውድባዊ ምብስባስ እንትገጥምን’ ኢሉ ይፈትሖ።
ጉጅለ ‘ኣንጃ’ ብወገኑ ካብ 1987/88 ጀሚሩ ሻዕብያ ክወረና ይኽእል እዩ ዝብል ብመለስ ዝተነፅገ ሪፖርትን ፀብፃባትን ተላዒሎም ንተንበርካኽነት ‘ሉኣላውነት ሃገር ንሻዕብያ ዘረክብ ሎቕዛይነት መሪሕነት መለስ ብምግምጋም፡ ንመለስ ካብ መሪሕነት ውድብን ሃገርን ክሰጉግ ዝዓለመ’ ሰነድ ኣዳለው።
ኣብዚ ፀጋ ንትግራይ ብዝብል ሽም ብርዒ ኣብ ሰነ 2014 ‘ቦናፖርቲዝምን ተንበርካኽነትን፡ ትማሊን ሎሚን‘ ብዝብል ርእሲ ካብ ዝተዳለወ ፅሑፍ ክልተ ነጥብታት ንምዘዝ።
ሓደ፡ ማእኸል ሞገት ክልተ ጉጅለታት ህወሓት ኣብ ሽዋ ዝገበረ ነይሩ። ንትግራይ ዝውክል ዝበሃለሉን ብማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ደቂ ብሄረ ትግራይ ንስልጣን ዝበቕዐ ህወሓት ሕድሕዳዊ ባእሱ ንሰበ ሽዋ እምበር ንመቐለ ዝጠርዕ ኣይነበረን ይብለና።
ክልተ፡ ጉጅለ መለስ ተናሓናሕቲ ብፆቱ ንምስዓር ዝመዘዞ ‘ንልዕልና ትግራይ ዝሰርሑ’ ዝብል ክሲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ መንግስትነትን ረብሓን ጦብያ ንረብሓ ትግራይ ጥራይ እዩ ዝውዕል ዝብል፡ ቅድሚ ናይ 2013 ዘርኢ ፅንተት፡ ንዘርኢ ፅንተት ዝውዕል ድኹዒ ተረኾም ዝሕግዝ፡ ተረኽ ብምፍጣር ሕማቅ በሰላ ገደፈ። እዚ ክሲ ብጉጅለ ‘ኣንጃ’ ዝወሃቦ መልሲ ኣብ ጋዜጣታት ሽዋ ኾይኑ ንሕና ንረብሓ መላእ ኢትዮጵያ ኢና ንሰርሕ፡ ይግዳስ ጉጅለ መለስ እዩ ንረብሓ ኤርትራ ዝሰርሕ ብምባል ዝምልስዎ እንትረአ፡ እዚ ሓይሊ(ሙሉእ መሪሕነት ህወሓት)፡ ንረብሓ ትግራይ ዘይግድሶ ከምዝነበረ ዘረጋግፀልና ኾይኑ ንረኽቦ።
ኪሳራታቱ፡
ሀ) ዓቕሚ ትግራይ(ዋላ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እያ ትርባሕ ዝብል ሞገት ሓሳብ ክልቲኦም ጉጅለታት እንተነበረ) ብሓያሎ ዘጓደለ ኾዮኑ ንረኽቦ። ዝበዝሕ ክተዓፃፀፍ፣ ክሓስብን ንጂኦ ፖለቲካ ዓለም ክርዳእ ዝኽእል ምሩፃት ርእሲ እቲ ውድብ መብዛሕቲኡ ተሰጉጉ፡ ህወሓት ናብ ሓደ ርእሲ ጥራይ ዝኣተወትሉን፡ ጅማሮ ‘ሓዱሽ ገዛኢ መደብ'(ፖለቲካ ሶቭየት ሶሻሊስት ዝመርመረ ሚሎቫን ዲላስ The New Class ኢሉ coin ዝገበሮ term(concept) ዝተኣተወሉን ኩነት ፈጢሩ። The New Class= ሓደ ኮሚቲስታዊ ሓይሊ ንምቅላስ ካብ ዘልዐሎ noble cause ቀስ ብቀስ፡ ሓበሬታ ምእኹል ብምግባር፣ ርእሲ ሓፋሽ፣ ኢኮኖሚን መሓውራት መንግስቲ ንበይኑ ብምቁፅፃር(ቀስ ብቀስ ድማ ዓቕሙን ርእስታቱን እናገለፈ ዘቃለሶ ፍትሓዊ ምኽንያትን ሓሳባትን እናገደፈ ናብ ስልጣን ጥራይ ዝግድሶ ሓይሊ ምስ ተቐየረ ከም ማለት እዩ)
ለ) ተረኽ ‘የትግራይ የበላይነት’ ሰበ ሽዋ ዘዋዓውዕዎ ጉዳይ ነይሩ። ጉጅለ መለስ ንብፆቱ ንምውቃዕ ስለዝተጠቀመሉ ግን፡ ከምቲ ልዕል ኢልና ዝገለፅናዮ ጦብያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ትዘምተሉ ተረኽ ምድልዳሉ ዘረጋገፀሉ(consolidate ዝገበረሉ) ኾይኑ ንረኽቦ።
ሐ)1993 ኣ.ግ! ምግምማዕ መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ስዒቡ፡ ኣብ ምግምማዕን ምፍንጫልን እቲ ውድብ ‘ስዒሩ’ ዝወፀ ሓይሊ ኣብ ጳጉመን 1993 ኣብ ሻድሻይ ጉባኤ እቲ ውድብ፡ ብኣምሓርኛ ዝተዳለወ ፕሮግራም ኢህአዴግ ናብ ትግርኛ ዝገልበጠ ፕሮግራም፡ እቲ ውድብ ዝምረሐሉ ፕሮግራም ክኸውን ኣፅደቐ። እዚ ፕሮግራም ወያናይ ዲሞክራሲ ዋና ርዕዮተ ዓለምን ዓንዲን ወድብን መንግስትን ዝገብር ኾይኑ፡ ተሃድሶ ዝበሎ ቃልን ‘ሓሳብን’ ድማ ዋና ዕላምኡ ክኸውን ሓንፀፀ።
ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መእተዊኡ ‘ሓደ ናይ ኢኮኖሚን ፖለቲካን ማሕበረሰብ ምፍጣር’ ዕላምኡ ከምዝኾነ ብግልፂ ኣስፊርዎ ንረክብ። ህወሓት እውን ‘ንማዓርነታዊ ሓድነት’ ከምዝተቓለሰን ይቃለስን ከምዘሎ ወትሩ ግሉፅ ገይሩ ይጓዓዝ ዝነበረ ውድብ ከምዝኾነ እውን ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪ እቲ ናይ ጳጉመን 1993 ጉባኤ ድማ ነቲ ኣብ መእተዊ ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕላማን ምእንተ ማዕርነታዊ ሓድነትን ምቅላሱ ብሓያሎ ቀፀለሉ። እዚ ድሕሪ ምክፍፋል 93 ዝሰዓበን ክሳብ ሐዚ ዘሎ ፕሮግራም እቲ ውድብ ንትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ ዘጓነየ ኾይኑ ንረኽቦ።
መ) እቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ፅሑፍ(ፀጋ ንትግራይ) ሓንቲ ሓሳብ ዘልዐላ እውን ኣብዚ ምውሳኽ የድሊ እዩ። ነቲ ሞገት ክፍፍል ህወሓት ደሓር ደሓር ኣብ መንጎ ‘ውድብ ነድሕን'(ጉጅለ መለስ) ‘ሕጊ ውድብና ይከበር'(ጉጅለ ተወልደ) ተቐይሩ ይብለና። ማሌሊት ሒዝዎ ዝመፀን ደሓረ ህወሓት እውን ዝተቐበሎን ነቲ ውድብ ‘ቼክ’ ዝገብር ቁፅፅር ኮሚሽን፡ ኣብዚ ክፍፍል ውድብ ስልጣኑ ብጉጅለ መለስ ተደፊኡ፡ ሕገ ደንቢ ውድብ ዋጋ ከምዘይህልዎ ብምግባር ክሳብ ሐዚ ንዘሎ ካብ ‘ሕጊ ውድብ ይበልፅ’ ዝበል ዘይተፅሓፈ ሕጊ ክሰፍንን ልዕልና ሕጊ ካብቲ ውድብን ካብ ትግራይን(ውድብን መንግስትን ዝተሓዋወስሉ ክልል ምንባሩ ልቢ ንበል) ክጠፍእ ዓብይ ሕማቕ ተራ ዝተፃወተን ዘንበረን ክፍፍል ኾይኑ ንረኽቦ።
7. ውሽጣውን ደጋውን ተዋሳእቲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ – 2008 ዓም
ኣብዚ ምዕራፍ፡ ህወሓት ንምፍታሽ ቁሩብ፡ ፖለቲካ ጦብያን ውሽጣውን ደጋውን ተዋሳእቱ እውን ምፍታሽ ከድሊ እዩ::
እዚ ዘመን ዝያዳ ዝዝከር ድሕሪ ሕልፈት መለስ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተኻየደ መረፃ፡ ኢህኣዴግ 98% ተመሪፀ ኢሉ እንተብቅዕ፡ ቁሩብ ፀኒሑ ኣብዚይን ኣብትይን ተቓውሞ ዝተልዓሎን ብምዃኑ እዩ። ቅድሚ እዚ ዓመታት ኢትዮጵያ ርኡይ ኢኮኖሚያዊ ዓወት ኣምፂኣ ዋላ እንተነበረት፡ ካብ ዩኒቨርሲታት ተመሪቖም ምስ ዝወፁ በዝሒ ተምሃሮ ተተሓሒዙ ቁፅሪ ሸቕሊ ኣልቦ መናእሰያት ከም ዝውስኽን ነቲ ስርዓት መሊሱ ፈተና ከም ዝኾኖን ዝግመት እኳ እንተነበረ፡ ንቲ ክመፅእ ዝኽእል ፈተና ተዓፃፂፉ መልሲ ክህብ ዘይኻኣለ መሪሕነት ኢህአዴግ ብቐሊሉ ናብ ፈተና ኣተወ። ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ኢኮኖሚኡ ብዘይ ምቁራፅ ክዓቢ እንተዘይኺኢሉን ቁፅሪ ሸቕሊ ኣልቦ መናእሰያቱ ክቕንስ ተዘይኽኢሉን፡ ናይ ብዙሓት ብሄራትን ብሄረሰባትን እካብ ዝኾነትን ብገለ ፀሓፍቲ ኣብ ዓለም እትርከብ ናይ መወዳእታ ሃፀያዊት ግዝኣት እትበሃል ኢትዮጵያ ስርዓታን ከም ሃገር ምቕፃልን ኣብ ሕቶ ክኣቱ ከምዝኽእል ድማ ዘማትእ ኣይነበረን።
ብጠበብቲ እቲ ዓውዲ The Diploma Disease Revolution(ምሩቓት ዩኒቨርስቲ ኾይኖም ሸቕሊ ዝሰኣኖ ከቀፃፅልዎ ዝኽእሉ ዓመፅ)፡ ምስ ‘ብሄራዊ ሕቶ’ (መሰል ዓርሰ ውሳነ ንሕድሕድ ብሄር ‘ስለዝሸለመ’ ኣብ ገዛ ኢህአዴግ ንከይምለስ ከም ዝጠፈአ ተኣሚንሉ ዝነበረ) ተሓዊሱ ብምምፃእ ነቲ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ክመልእ ቁሩብ ዓመታት ጥራይ ተሪፍዎ ዝነበረ ስርዓት ካብ መሰረቱ ክንቕንቖ ጀመረ።
በዓል ጃዋር መሓመድ ግኑናት ዝኾንሉን ‘ብቁፅርናን ቑመትናን ልክዕን በቲ ሕገመንግስቲ መሰረትን ስልጣን ይግበአና እዩ’ ዝብል ሊሂቅ ኦሮሞ በቲ ሓደ ወገን፡ ‘እቲ ሕገመንግስቲ ዓዲ ዝበጣጥስን ክፈርስ ኣለዎን’ ዝብል ሊሂቅ ኣምሓራ በቲ ሓደ ወገንን ኾይኖም ድማ ነቲ ዓመፅ ኣብ ልዕሊ ኢህአዴግ/ህወሓት ኣቀፃፀልዎ። ናይ ቀረባ ፀላኢኦም ዝኾነ ኢህአዴግ/ህወሓት ንምውቃዕ ድማ እዞም ዝሳነ ዝመስል ባህጊ ዘይብሎም ሓይልታት፡ ኦሮማራ ዝተብሃለ ስልታዊ(tactical) ሕብረት ብምፍጣር ነቲ ስርዓት ትንፋስ ከልእዎ። ፈለማ ቅቡል ዝመስል ሕቶ ሒዙ ተላዒሉ ዝመስል ዝነበረ እቲ ናይ ኦሮሞ ሓይሊ ቀስ ብቐስ ዘርኣዊ ዝመስልን ኣንፃር ትግራይ ዘቕነዑ ተረኻት(ንኣብነት ብጃዋር ዝተቐንበበ ሓጎስ vs ቶላ) ይጥቀም ዋላ ኳ እንተነበረ ክንድቲ ናይ ኣምሓራ ሓይሊ ይጥቀመሉ ዝነበረ፡ ኣንፃር ሓደ ብሄር ዘቕነዐ ምንቅስቓስ ግን ኣይነበሮን።
ካብ ውሽጢ ኢህአዴግ፡ ብፍላይ ኦሆዴድን ብአዴንን ድማ ናይ ኣሰላልፋ ለውጢ ብምግባር፡ ምስዚ ኣብ ውሽጢ ብፍላይ ድማ ኣብ ወፃኢ ሓይሉ የስፍሕ ነበረ ሓይሊ ብምትሕብባር ነዚ ኣንፃር ህወሓት(ውሽጡ ኣፀቢቕኻ እንትረአ ብፍላይ እቲ ናይ ኣምሓራ) ፀረ ትግራይ ዝኾነ ዓመፅ ተሓወስዎ። ኣብዚ ካብ ርዕዮተ ዓለማዊ ትንታንኡ ወፃኢ፡ ንኹሉ ነገር ካብ ወያናይ ዲሞክራሲ ህወሓት፡ ወያናይ ዲሞክራሲ ርዕዮተ ዓለሙ ጥራይ ዝርኢ ህወሓት ‘ሕገመንግስቲ ይጣሓስ ኣሎ’ ካብ ምባል ወፃኢ ሒዝዎ ዝተልዓለ ብሄራዊ ዕላማ ኣይነበሮን።
ምስ ምትእትታው ማሕበራዊ ሚድያ ተተሓሒዙ ግጥም ክሕይል ኣብ ዝጀመረሉ እዚ ዘመን፡ ብማሕበራዊ ሚድያ ይኹን ብኻሊእ መገዲ ብሄራዊ ሕቶ ሒዞም ክለዓሉ ምሽብሻባት ይገብሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣባላት ሓዱሽ ወለዶ ትግራይ፡ ህወሓት ‘ፀበብቲ’ ኢሉ ታርጋ ካብ ምልጣፍ ሓሊፉ፡ ግጨው ዝኣክል መሬት ትግራይ ንክልል ኣምሓራ ኣሕሊፉ ብምሃብ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ጥፍኣት እውን ፈፂሙ እዩ(እዚ ፍፃመ እቲ ውድብ ንረብሓ ብሄረ ትግራይ ክንደይ ዝኣክል ዕሙት ከምዝኾነ ተወሳኺ ኣብነት እዩ)
ኣብ ላዕሊ ከም ዝጠቐስናዮ ጅማሮ The New Class(ሓደ ኮሚኒስት ሓይሊ ጉዳዩ ስልጣንን ስልጣንን ጥራይ ዝኾነ) ህወሓት ድሕሪ 93 ዝጀመረ እኳ እንተኾነ፡ መለስ ዝኣክል ገዚፍን ተዓፃፃፊን ርእሲ ስለዝነበሮ ግን ሙሉእ ናይ ስልጣን ሓይሊ ኾይኑ እዩ ንምባል ኸቢድ ይገብሮ። ሕልፈት መለስ ስዒቡ ርእሲ ዘይብሉ ዝተረፈ እዚ ውድብ፡ ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ሓዱሽ ገዛኢ ደርቢ(The New Class) ከምዝተለወጠ ድማ ግልፂ ኾነ። ሓይሊ ኦሮማራ(ኣብ ብአዴንን ኦሆዴድን ዝነበሩ) ብሄሮምን ስልጣኖምን መሰረት ገይሮም እንትሰርሑ እዚ ካብ ትግራይ ዝተረኸበን ባዕሉ እውን ከምዝበስበሰን ዝኣምን ህወሓት ግን ‘ብዛዕባ ወያናይ ዲሞክራሲን ስልጣንን ጥራይ ክሙግት ውዒሉ ይሓድር’ ከምዝነበረ የኢህአዴግ የቁልቁለት መንገድ ዝብል መፅሓፍ ብርሃነ ፅጋብ ይነግረና።
እዞም ምዕባለታት እዚኦም እዚ ሓዱሽ ገዛኢ ደርቢ ፈፂሙ ንስልጣን ጥራይ ዝጥምት፣ ዝመረተን ዛዕባ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ብሄረ ትግራይ ኣጀንድኡ ክገብር ዘይኽእልን ምዃኑ ይፀውዩና።
8. ኩናት ዘርኢ ፅንተት – 2013 ዓም
8.1 ቅድመ ኩናት ዘርኢ ፅንተት
ቀይሕ ባሕሪ ዘለዎ፡ ዘለናዮ ዞባ ተኳሳሒ እዩ። ዝተፈላለዩ ሓያላት ሃገራት ዓለም፡ ኣብ ዝተተፈላለየ ዘመናት ንውነና ዞባና እናተተፋነና መፂአናሉ እየን። ዝተፈላለዩ ብሄራት፣ ብሄረሰባት፣ እንዳን ቀቢላታትን ይኹን ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ዘለውዎ እቲ ንርከበሉ ዞባ፡ ብፍላይ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምውፃእ ምጅማረን፡ ግጉይ ምስረታ ሃገራትን ምጥራር ዶባትን፣ ከምኡ ድማ ዝተተኸሉ ሓደሽቲ መንግስታት ኣብቲ ዞባ ዘሎ ምትፍናን ዓለምለኻዊን ውሽጣውን ቅርፂ ሒዙ ብሓያሎ እዩ ቀፂሉ።
ዞባና ማእኸል ትፍንን ዝሑል ኹናት፣ መፈልፈሊ ሓይልታት ራዕድን ናይ ናፅነት ተቓለስትን ንምዃን ድማ ፃት ኣይወሰደሉን። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ1991 ድሕሪ መሪር ቃልሲ ሰላሳ ዓመት ናፅነታ ዝኣወጀት ብህግደፍ እትምራሕ ኤርትራ ድማ ኣብዚ ትፍንንን ህውከትን እዚ ዞባ ዋና ተዋሳኢት ኾነት። ሓዱሸ ፕሮጀክት ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ሓይልን ባይታን ክረክብ፡ ኹናት ከም ዋና መሳርሒ ክጥቀም ዝሓረየ፡ እዚ ኸባቢ ካብ ዝፈጠሮም ‘ፈራሓትን ጨካናት’ መራሕቲ ሓደ ብዝኾነ ኢሳያስ ኣፈወረቂ እትምራሕ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናፅነት ምስ የመንን ጅቡቲን ኹናት ክትውልዕ ሕንጣይ ዓመታት እዩ ወሲዱላ።
መራሕቲ ሻዕብያ ንዘፍጥርዎ ሓዱሽ ኤርትራዊ መንነት ዕንቅፋት ክኸውን እዩ ዝብልዎን፡ ምስቲ ኣብ ኸበሳ ኤርትራ ዝርከብ ህዝቢ ሓደ ዓይነት መንነት ዘለዎን፡ ኣብ ቃልሲ ሰላሳ ዓመቶም ሓጋዚ ዝነበረ ህዝቢ ትግራይ ክጠፍእ ኽቱር ድልየት ከምዝነበሮም ድማ ርዱእ ነይሩ። እዚ ኽቱር ድልየት ሓደ ምኽንያት ኹናት ኢትዮ ኤርትራ ኮይኑ ዝመፀ እንትኸውን፡ ናይዚ ሓሳብ ሃንዳሳይ ዝኾነ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ንብፆቱን ‘ሞደሬት’ ይበሃሉ ንዝነበሩ(ብዘልማድ G 15 ዝበሃል ንትግራይ ተደናገፅቲ ነይሮም ዝበሃለሎም በዓል ሃይለ ድሩዕን ጴጥሮስ ሰለሙንን ዝመርሕዎ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህግደፍ) ምስ በልዐ ድማ ብሓያሎ ክቅፅል ገበረ። ስርዓት ሻዕብያ ሓዱሽ ወለዶ ኤርትራ ካብቲ ንቡር ትግራዋይ መንነቱ ተነፂሉን ንመንነቱ ተፀይፉ ክቕረፅን ዝከኣሎ ኹሉ ገበረ። ብፍላይ ኹናት ኢትዮ ኤርትራ ስዒቡ ናይ ዲፕሎማሲን ፖለቲካን ልዕልና ኢህአዴግ ብዝመርሓ ኢትዮጵያ ምዕብላሉ ስዒቡ ኣጋውለ ዕብሶን(siege mentality) ‘ወያነ እዮም ከምዚ ገይሮምና’ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራዊ ክሰርፅ ሃፍቲን ትካላትን ዓዲ ሙሉእ ተጠቐመ።
ድቀትን ስደትን መግለፂ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኾነ። ኢትዮጵያ ብወገና ኣብ ተነፃፃሪ ሰላምን ምዕባለን ክትኣትው ከኣለት። እዚ ብህወሓት ኢህአዴግ ዝምራሕ ሓይሊ፡ ማእኸል ኢኮኖሚን ፖለቲካን ሽዋ ብምግባር ርኡይ ዝበሃል ለውጢኳ የምፅእ እንተነበረ፡ ብጂኦግራፊ ንዝረሓቐት፣ እቲ ስርዓት ክትከል መሪር ዋጋ ንዝኸፈለትን ካብ ኣቀራርፃ ሕገመንግስቱ ጀሚሩ ንዘጓነየ ትግራይ ዝምጥናን ዝግበኣን ዕብየትን ለውጥን ኣየምፀአን። እዚ ኩነች ጥዑይ ኣይኾነን፡ ሳዕቤን ሒዙ ምምፅኡ ድማ ኣይተርፍን ዝብል ድምፂ ተጋሩ ድማ ብብቁሩቡ ይስማዕ ነይሩ። ብፍላይ ድሕሪ ሞት መለስ ዜናዊ ሓዱሽ ወለዶ ትግራይ ‘ኩነተ ኣይ ኹናት ኣይ ሰላም’ ንትግራይ ሳንዱች ዝገብር እዩ፡ ንሰሜን ገፅና ቁሊሕ ተዘይኢልና መዓት ክመፀና እዩ’ ምባልኳ እንተጀመረ፡ ውፁእ ብሄርተኛ ትግራይ ክኸውን ዘይከኣሎ መሪሕነት ህወሓት ግን ነዚ ፃውዒት ባሊህ ዝብል ኣይነበረን።
እዚ ከምዚ እንተሎ እዩ እምበኣር፡ ሃፀያዊ ባህጊ ዝተሸከመን፡ ‘ንጉስ እየ’ ኢሉ ዝኣመነን ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ዝዓተረ። ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ኣብ ዝወፀሉ ቁሩብ ኣዋርሕ ሓድነት ኢትዮጵያ(ናይ ሽዋ ጦብያ) ዘስጥም ይመስልኳ እንተነበረ፡ ብዙሕ ከይደንጎየ ግን ፀረ ትግራይ ዝኾኑ ነፍሒኡ ከም መደላደሊ ስልጣን ክጥቀመሉ ጀመረ። ብኢህአዴግ(ህወሓት) ኣቢላ ቻይና ኣብ ኣፍሪካ መሬት ክትረግፅ ምኽኣላ ቂምታ ዘሕደረት ኣሜሪካ(ኣንፃር ኒዮ ሊበራሊዝም ዝፍነው rhetoric ህወሓት ከም ዘሎ ኾይኑ) ንመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ድጋፍ ከም ዝነበራ ካብ ብጉሓቱ ግልፂ ዝነበረ ኾይኑ፡ ሕቡራት መንግስታት ኤምሬትን ምስ ኢሳያስ ጥቡቕ ምሕዝነት ዝነበሮም ፀረ ትግራይ ዝኾኑ በዓል እንዳርጋቸው ፅጌን ተጠቒሙ ምስ ኢሳያስ ጥቡቕ ዝበሃል ርክብ ክፈጥር ኸኣለ።
ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ ወፀ፡ ኣብ ዘመነ ሃይለማርያም ደሳለኝ ተጀሚሩ ዝነበረ ፖለቲካዊ እሱራት ናይ ምፍታሕ ስራሕቲ ኣቐፀለ። ብግብሪ ራዕዲን ምፍራስ ሕገመንግስቲን ኣብ ፀሊም መዝገብ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት፣ ፖለቲካዊን ዕጡቓውን ሓይልታት(መብዛሕቲኦም ፀረ ትግራይ ዝኾኑ) ናብ ዓዲ ክኣትው ፈቐደ። ዳሓር ኣብ ኢህአዴግ ኾይነ ምስ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ፀረ ኢህአዴግ ሓይልታት ይሰርሕ ነይረ እየ ዝበለ ኣብይ ኣሕመድ፡ መንግስቱ ኣብ መስከረም 2011 ምስ ኤርትራ ዝፀንሐ ምትፍናን ዒስራ ዓመት ንውዕሊ ኣልጀርስ ተቐቢለ እየ ብምባል ምስ ኤርትራ ዝነበረ ፀገም ከም ዝፈትሐ ብዕሊ ኣወጀ። እዚ ውሳነ ኣብይ ኣሕመድ ሰፊሕ ዝበሃል ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ዝፈጠረሉ እንትኸውን፡ መራሒ መንግስቲ ኣስመራ ድማ Game Over ምስ ዝብል መደርኡ ኣካል እቲ ስምምዕነት ከምዝኾነ ኣፍለጠ። ብወገን ትግራይ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ፀገም ተፈቲሑ ምብሃሉ ብፅቡቕ ጎኑ ኳ ተቐባልነት እንተረኸበ፡ ውዕሊ ኣልጀርስ ናብ ተግባር ክቕየር ምብሃሉ ዘይተውሓጠሉ ቁፅሩ ቀሊል ዘይበሃል ትግራዋይ ‘ካብ ኤርትራ ኢሮብ ትዓቢ’ ዝብል ጭርሖታት ተሓንጊጡ፡ ነቲ ሰላም ብጥርጣረ ተቐበሎ።
ካብ ግዘ ናብ ግዘ ኣብዚ ዞባ ረብሓኣ ብሓያሎ ክተሰስን ዝጀመረት ሕቡራት ኤምሬትስ ዓረብ፡ ኣብቲ ሕብረት(alliance) ኢሳያስ ወ ኣብይ ፋርማጆ ንዝመርሓ ሶማልያ እውን ብምፅንባር፡ ሰለስታኣዊ ሕብረት(tripartite alliance) ኣብይ ኢሳያስን ፋርማጆን መሰረት ክሕዝ ገበረት። ካብዚ ብምብጋስ ድማ እዞም ሰለስተ ሓይልታት ንህወሓት ኣብቲ ዞባ ዝነበሮ ፅዕንቶን ሓይልን ክስእን ብሓያሎ ምስራሕ ጀመሩ።
ብወገን ትግራይ ግን ነዚ ሓዱሽ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ተገንዚቡ ሓዱሽን ረብሓ ትግራይ ዘሰሰንን ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ኣይነበረን። ትግራይ ኣብ መንጎ ጉጅለ ሰብሓትን ጉጅለ ኣባይን(ኣዜብ) ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ጉጅለ ጌታቸው ኣሰፋን ጉጅለ ሳሞራ ዮኑስን ተሓሊኻ ካብ ዝፀንሐትሉ ሙቑሕ፡ ህወሓት ንዶክተር ደብረፅዮን ነቲ ውድብን መንግስትን ክመርሕ ምስ ሓረዮ ዝፍታሕ እኳ እንተመሰለ፡ ሕልኽልኽ ውሻጦ ህወሓት ይኹን ኣብቲ ዞባ ዘሎ ፈጣን ፖለቲካዊ ለውጢታት ዝግንዘብን ንፅባሕ ዝእምትን መሪሕ ክትረክብ ኣይኸኣለትን። ነዚ ኹነታት ዝሐሸ ዝተገንዘበ ሓዱሽ ወለዶ ትግራይ ንደብረፅዮን ብምድጋፍ ድልውነት ትግረይ ዝሐሸ ንምግባር እኳ ሙከራታትን ፃውዒትን እንተገበረ ካብ ህወሓት ይኹን ካብቲ ዝመርሖ መንግስቲ እዚ ዝበሃል ድጋፍ ኣይረኸበን።(እዚ ነጥቢ ብቀጥታ ኣብ መንጎ እቲ ህወሓት ዝወለዶ ብሄራዊ ወለዶን፡ ናብ The New Class ዝተቐየረ ናይ ስልጣን ሓይሊ ዘሎ ኣፈላላይ ብግልፂ ዘርኢ እዩ። ልዕል ኢልና ረብሓ ብሄረ ትግራይ ንዝበለ ‘ፀቢብ’ ዝብል ሽም ኣብዚ ተጋሩ ፎቆዶ ኢትዮጵያ ዝሕረድሉ ዘመን ምጥቃም ክንዲ ክንደይ ህወሓት ዝተብሃለ ሓይሊ ብሄራዊ ዝበሃል ሓሳብ ከም ዘይብሉ እውን ግሉፅ ዝገብር ኾይኑ ንረኽቦ)
8.2 ኮሮና፣ መረፃን ኹናትን
ምትፍናን ብልፅግናን ህወሓትን እናገንገነ እንትመፅእ፡ ንፌደሬሽንን ንማዕርነታዊ ሓድነትን ደው ዝበልኹ እየ ዝብልን ካብ ኣራት ኪሎ ባንኩን ታንኩን ብሰላም ኣረኪቡ(ህወሓት ንፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካ ፈፂሙ ብውነ ምትንታንን ምርዳእን ከምዝገደፈን፡ ንብሄሩ ዘይጣጥዮ ከምዝኾነን ተወሳኺ ኣብነት) ህወሓት፡ ናይ ፌደሬሽን ሓይልታት ንዝብሎም ውዳበታት ዝተፈላለዩ ብሄራትን ብሄረሰባትን ንምስሓብን ንምትእኽኻብን እንትፍትን፡ ዓለምለኻዊ ድጋፍን ኢህአዴግ ዝኣከቦ ሃፍቲ ዓዲ ዝተሓንገጠን ብልፅግና ድማ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ሓይልታት ፀረ ትግራይ ምትእኽኻብ ጀመረ። ሃፀያዊ ስርዓት ክምልስ ዝህቅን ዝመስል ዝነበረ ብልፅግና፡ ፀረ ትግራይን ህወሓትን ነፍሑ ብሓያሎ እንተቐፅል ድጋፍ ኣምሓራን ሻዕብያን ብቐሊሉ ረኸበ። 95% vs 5% ዝብል ተረኽ ዝተቐበለ ዝመስል መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ቃልኪዳን እቲ ሕገ-መንግስቲ ብምጥሓስ፡ ንትግራይ ብኣምሓራ ገይሩ ዝኣቱ ምህርትን ሸቐጥን እንትዕፆ ብስቕታ ተሓባበረ። ኣብ ዝኸዶ ኹሉ ፀረ ትግራይ ነፍሒኡ ዘቐፀለ ኣብይ፡ ድጋፍ በዓል ‘ትግራይን እንጨብጣታለን’ ብሓያሎ ምርካብ ጀመረ። እዚ ኣከያይዳ ዘይጠዓሞም ገለ ብሄርተኛ ሓይልታትን ውልቀ ሰባትን ኦሮሞ፡ እዚ ኣከያይዳ ብኣግኡ ጠጠው ከብሎ እዃ እንተፀውዑ ጠጠው ዘብል ኣይነበረን። እዚ ከምዚ እንተሎ ካብ ኤርትራ ምስ ዝተመለሰ ፍርቂ ሓይሊ ናፅነት ግንባር ኦሮሞ ናብ ምትፍናንን ጓይቅን ክኣትው ጀመረ። ብድሪባ ኩምሳ(ጃል መሮ) ዝምራሕ ግንባር ናፅነት ኦሮሞ፡ ናብ በረኻታት ወለጋ ብምኻድ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀመረ። ኣብ ኦሮምያ ደም ምፍሳስ መዓልታዊ ዜና ኾነ።
እዚ ከምዚ እንተሎ እዩ እምበኣር፡ ሃገራውን ክልላውን መረፃ ሰሌዳ ግዚኡ ክቐርብ ዝጀመረ። ጎናጎኒ ምቅርራብ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ኮቪድ 19 ዝበሃል ተላባዲ ሕማም ተላዒሉ፡ ንዓለም ናብ ጋሃን መሃን ዘእተዋ። ዋላ ኣብ ኣፍሪካ ፅልውኡ እዚ ዝበሃል ተዘይነበረ፡ ኮቪድ 19 ከም ፅቡቕ ምኽንያት ምትፍናን ሓይልታት ብልፅግናን መንግስቲ ትግራይን ክኸውን ጀመረ።
8.3 ትግራይ ክመርፅ እየ ኢላ፡ ብልፅግና መረፃ ክናዋሕ ኣዚዙ!
ምትፍናን ከምዚ ድሕሪ ምኽራሩ፡ ብብልፅግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ሕገመንግስቲ፡ ነቲ ሕገመንግስቲ ናይ ምትርጓም ስልጣን ብዝተውሃቦ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣቢሉ ንመረፃ 2012 ከምዘናወሖ ዕላው ገበረ። ካብ ኦሮሚያ ክሳብ ትግራይ ዘለው ኣሰጎምቲ ፌደሬሽን ይኹኑ ብሄራውያን ሓይልታት ነዚ ብሓያሎ ተቓወምዎ። በዓል ጃዋር ዝተሓወስዎ ኦፌኮን ኦነግን ብወገን ኦሮሞ፣ ህወሓትን ብመናእሰያት ትግራይ ዝምርሓ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ድማ ብትግራይ ወገን ነዚ ውሳነ መንግስቲ ኣብይ ተቓዊመን ድምፂ ኾና። ኣሰላልፈኦም ምስ ኣብይ ዝገበሩ ሓይልታት ኣምሓራን፡ ከም ኢዜማ ዝበላ ‘ውድባት ሓንቲ ኢትዮጵያ’ ኢለን ንባዕለን ዝፀውዓ ውድባት ድማ ሰልፎም ምስ መንግስቲ ኣብይ ምዃኑ ክገልፁ ጀመሩ። ነቲ ሕገመንግስቲ ክቕይሩ ጥሙሕ ድልየት ዘለዎም እዞም ሓይልታት፡ ‘ኣምሓራይ'(ኢትዮጵያዊ) ዝመሰለ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ተጠቒምካ ነዚ ምፍፃም ከም ዝከኣል ኣመኑ። ከም ልደቱ ኣያሌው ዝኣመሳሰሉ ኣብ ኣብይ ኣሕመድን መንግስቱን ተስፋ ዝቖረፁ ገዳይም(seasoned) ፖለቲከኛታት ድማ ሽግግር መንግስቲ ፀውዑ። ዓዲ ወጥሪ ተመልአት። ሚድያታት ኣምሓራ(ጦብያ)፡ ኣብ ኦሮምያ ዝርከብ ህዝብና ብሕብረት ተነፀልቲን ፀበብተትን ዝብልዎም ሓይልታት(ኦነግን ህወሓትን ብዋናነት) ይጭፍጨፍ ኣሎ ዝብል መዓልታዊ ዜነኦም ኾነ። በዓል ጃዋር ብወገኖም፡ ኣምፂናዮ ዝብልዎ ለውጢ፡ ‘ብኣሃዳውያንን ናፈቕቲ ሃፀያዊ ስርዓትን’ ተጨውይና ኢሎም ብግልፂ ፀረ መንግስቲ ኣብይ ዝመስል ነፍሒኦም ኣበርትዑ። ገሊኦም ከም በዓል ፀጋይ ኣራርሳን ህዝቅኤል ጋቢሶን ዝመሳሰሉ ድማ ንህወሓትን ትግራይን ተደናገፅቲ ክኾኑ ተርአዩ።
እዚ ከምዚ እንተሎ፡ ህቡብ ኣርቲስትን ምልክት ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ዝኾነ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቐተለ። ዳርጋ ኣብ መላእ ኦሮምያ ኣንፃር ኣምሓራን ኣብይ ዝመርሖ መንግስትን ናዕቢ ተልዓለ። ደገፍቲ ‘ኣሃዳዊ’ ስርዓት ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣደባባይ ‘ሃጫሉ ሞቷል፡ ጃዋር ይቀራል’ ኢሎም ክዝምሩ ድማ ተሰምዑ። ኣብ ክልል ኦሮምያ ብሓይልታት መንግስቲ ይኹን ብዕጡቃት ሓይልታት መቕተልቶም ካብ ግዘ ናብ ግዘ ምውሳኹ ቀፀለ። ብፍላይ ድሕሪ ምምፃእ መንግስቲ ኣብይ ንኢንጅነር ስመኘው፣ ንጀነራል ሰዓረን ንዶክተር ኣምባቸውን ሓዊሱ መቕተልቲ ፉሉጣት ሰባት ናብ ንቡር ዝተቀየረ ኾይኑ ኢኮኖሚ እታ ሃገር እውን ክናጋዕ ጀመረ። ኢትዮጵያ ኣብ ጫፍ ምፍራስ ዘላ ሃገር መሰለት።(እዚ ዕድል እውን ክጥቀመሉ ዝኽእል ርእሲ ዝደረቖ ህወሓት ከይተጠቐመሉ ተሪፉ እዩ)
ሞት ሃጫሉ ስዒቡ ዝተፈጠረ ዕግርግር ከም ፅቡቅ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ ኣብይ ኣሕመድ ንልደቱ ሓዊሱ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ንዝሓወስ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ኦሮሞ ናብ መሓቡስ ዳጎኖም። ምስ ትግራይ ዝነበሮ ርክብ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ምብልሻዩ ዝቀፀለ መንግስቲ ኣራት ኪሎ ምስ ኢሳያስ ዘለዎ ርክብ ምስጣሙ ድማ ቐፀለ። ወታደራዊ ምርኢት(parade) ብብግዚኡ ምርኣይን ኽጭፍልቀኩም እየ ምባልን ተግባርን መዝሙርን ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኾነ። ሓይልታት ኣምሓራ ነዚ ደጊፎም፡ ‘ግፋ በለው’ ምባሎም ቀፀሉ። ኣንፃር ትግራይ ዘነፃፀረ ነፍሒ ኣሐየሉ፡ ‘ወልቃይት ብረሳሽ ቀኜ ትርሳኝ’ መዝሙረ ዳዊቶም ገበሩ። ተስፋሕፋሓይ ፖለቲካ ኣምሓራ ኹሉ ናተይ ምባሉ ቀፂሉ መተከል ዶ ገለ ዶ ምባሉ እውን ቀፀለ።
ብትግራይ ወገን፡ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘለለ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራውን ምንቕናቓት ኣብ ታሪኽ ትግራይ ተርእዩ ብዘይፈልጥ ብርኪ ተነቓቕሑ። ትግራይ ናብ ወሰን ምድፋኣ ጓሂ ዝፈጠረሉ ሓዱሽ ወለዶ ትግራይ፡ ትግራይ ዓዱ ውሕስቲ፣ ዲሞክራሲያዊትን ምዕብልትን ንምግባር በብ ዓውድ ወስወስ ምባሉ ኣበርተዐ። መንእሰይ ትግራይ፡ ትግራይ ውሕስቲ እትኸውን፡ ብመዳይ ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ደሕንነትን ብርትዕቲ ክትኸውን እንተላ ከምዝኾነ ብምእማን፡ ዲሞክራሲያዊትን ልምዕትን ትግራይ ክትህሉ ምጉስጓስ፡ ዘይተርፍ እናመሰለ ዝመፅእ ዘሎ ወራር ንምክልኻል ድማ ብርቱዕ ዕጡቓዊ ሓይሊ ክህልዋ ክሳብ ‘ኣሰልጥኑና’ ምባል ዝበፀሐ ለበዋ፡ ደብረፅዮን ንዝመርሖ መንግስቲ ትግራይ ብተደጋጋሚ ለበዉኡ ኣስመዐ።(እዚ እውን ሓይሊ ስልጣን ኾይኑ ብዝተረፈን ንፕሮጀክት ‘ሓደ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ማሕበረሰብ ምፍጣር’ ከም ዶግማ ብዝተቐበለ ህወሓትን ዝመርሖ መንግስትን ተነፀገ)
ትግራይ ውሕስቲ እትኸውን፡ ብርቱዕ መንግስቲ እንተሃልዩ ከምዝኾነ ብምእማን፡ ብሓቀኛ፣ ናፃን ዲሞክራስያዊን መረፃ መንግስቲ ብምትኻል ከምዝኾነ ብምእማን ድማ፡ መረፃ 2012 ግዚኡ ሓልዩ ክካየድ ጓስጓሶም ኣሐየሉ። መሰል ዓርሰ ውሳነ ትግራይ ክረጋገፅ ኣለዎ ዝብል ድምፂ መናእሰይ ትግራይ ዓው ኢሉ ክስማዕ ድማ ጀመረ። እዚ ከምዚ እንተሎ፡ ህወሓት ዝመርሖ መንግስቲ ፈለማ ዓርሰ ምሕደራ ይብል እኳ እንተነበረ፡ ቀስ ኢሉ ‘ተቓሊሰሉ እየ’ ንዝብሎ መሰል ዓርሰ ውሳነ ኢዱ ክህብ ጀመረ።
ብዙሓት ነበር ወታደራዊ ኣመራርሓ ሃገራዊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ተጠቃሊሎም ናብ መቐለ ምምፀኦም ስዒቡ፡ ዕጡቓዊ ሓይሊ ትግራይ ይግብል ዘሎ እኳ እንተመሰለ፡ ንፌደሬሽንን ንኢትዮጵያን እሙን ዝኾነ ሓይሊ ህወሓት(ብሰላም ነገራት ክፍትሑ ኢና ንደሊ፡ ብሓይሊ እንተይሎም እውን ግን እኹል ምድላው ኣለና እዩ ይብል እንተነበረ፡ እዚ ዝበሃል ንወራር ክከላኸል ዝኽእል ሓይሊ የጣይሽ ከምዘይነበረ፡ ዳሓረ ካብቲ ሕገመንግስቲ ዝፈቕደሉ ናይ ፖሊስ(ብዝተወሰነ መልክዑ እውን ፉሉይ ሓይሊ ወፃኢ እዚ ዝበሃል ምድላው ዘይገበረ ከምዝነበረ ተቐሊዑ እዩ)።
ኣብዛ ሃገር ከምዚ ሓያሎ ምትፍናንን፡ ናይ ሓይሊ ዘይምምጥጣንን እንተሎ እዩ እምበኣር፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ መረፃ ከምዘካይድን ብመምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ዝምራሕ ኮሚሽን መረፃ ከም ዘጣየሸ ዘፍለጠ። ኦሮማይ ናብ ብርኪ መላኽነት ዝዓበየ ኣብይ ኣሕመድ፡ እዚ መረፃ እንተካይድኹም እነታት ትግራይ ክበኽያ እየን፡ ክንጭፍጭፈኩም ኢና ዝመልእኽቱ ድምፂታት እንተስመዐ፡ መንእሰይ ትግራይ፡ ሓደ) ንብረትስ ህወሓት ኣይትሰንፈሉን ካብ ዝብል ግጉይ ግምት፡ ካልኣይ ድማ እነካይዶ መረፃ፡ ዲሞክራሲያዊ ገይርና፡ ነቲ ምዕራባዊ ዓለም ብምስሓብ(entice ብምግባር) ይመፀና ዘሎ ወራር ክተርፍ ክንገብር ንኽእል ኢና ብዝብል ስልሒት ነቲ መረፃ ደገፎ። ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ተንተንቲ ይኹኑ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ክኢላታት ሕጊ ውሳነ ትግራይ ልክዕን ኣብ ኢትዮጵያ ምልኪ ከይሰፍን ዝከላኸልን እዩ ብምባል እውን ደጊፎምዎ ነይሮም።
8.3 መረፃ 2012
መረፃ 2012 ትግራይ ብድምፂ ህዝቢ ኣቢላ መንግስትነታ ክተቐፅል፣ መንግስትነት እንተቐፂሉ ድማ ውሕስቲ ትግራይ ምቕፃል ከም ዝከኣል ብምእማን፡ ምልኣተ ህዝቢ እውን ነቲ መረፃ ብኣውንታ ደገፎ። መወዳእታ 2012 ዝተወሰኑ ካብ ዓበይቲ ሃገራት ዝተረኸቡ ጋዜጠኛታት ዝተረኸብሉ ኾይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ደቂ ትግራይ ድማ፡ ‘ትግራይ መሪፃ’ ዝብል ስነልቦና ዲሞክራሲ ኣስሪፁ ተኻየደ።
እዚ ኹሉ ይኹን እምበር፡ ዝለመዶ ሚኢቲ ፐርሰንት ክረክብ ናብ መረፃ ዝኣተወን ናብ ኣራት ኪሎ ምምዕዳው ዘይገደፈን ህወሓት ቅድሚ መረፃ ኣብ ልዕሊ ደንበ ተቓውሞ ውድባት ትግራይ ዘካየዶ ፀለመ ከይኣክል፡ ሕጊ መረፃ ንባዕሉ ብዝጥዕሞ መገዲ ክኸውን ብድምፂ እናዓፈነ ኣካየዶ። ካብ ዝሓለፉ መረፃታት ብዝዛየደ ትኹረትን ተሳትፎን ህዝቢ ትግራይን ማሕበረሰብ ዓለምን ብሓያሎ ዝረኸበ እዚ መረፃ ብተነፃፃሪ ዝሐሸ ዲሞክራሲያዊ ዝመሰለ እኳ እንተነበረ፡ ህወሓት ካብ ኽቱር ድልየት ስልጣኑ ተላዒሉ፡ ኣብቲ መረፃ ኣሉታዊ ተፅዕኑኡ ብምዕራፍ ሙሉእ ንሙሉእ(98%) ረኺቡ ብምስዓር ነቲ ተስፋ ትግራይን ዲሞክራሲ ተጠቒምካ ነቲ ይመፅእ ይመስል ዝነበረ ኹናት ናይ ምትራፍ ዕድሉ ናብ ዜሮ ኣውረዶ። እዚ ውፅኢት ነቲ መረፃ ብዙሕ ተስፋ ገይሮምሉ ዝነበሩ፡ ወፃእተኛታት ተንተንቲን ጋዜጠኛታትን ቅድሚ እቲ መረፃ ዝነበሮም ውዑይ ስምዒት ዘዝሐለ እንትኸውን፡ ዲሞክራሲያዊት ትግራይ ንዝሓለሙ መናእሰያትን ተቓወምቲ ውድባትን ትግራይ ናይቲ መረፃ ዲሞክራሲያዊነት ተጠቒሞም ኹናት ናይ ምትራፍን ዓለምለኻዊ ድጋፍ ናይ ምርካብን ዕድል ባዶ ገበሮ። በዓል ኣብይ ኣሕመድ ‘የጨረባ ምርጫ’ ንዝበልዎ መራጎዲ ዝኸውን፡ 98% ስዒረ ዝብል ባጫ ኣቀበሎም።(እዚ ሕመቕ ህወሓት ካብ ዝመሰለ Vanguard ውዳበ ዝፅበ ነገር እዩ ዝብል ሞገት እኳ ምልዓል ዝከኣል እንተኾነ፡ ትግራይና ይኹን ባዕሉ እቲ ውድብ ኣትይዎ ምስ ዝነበረ መንቀራቕሮ እንትረአ እቲ ሓይሊ ክንድ ምንታይ ዛዕባ ብሄረ ትግራይ ከምዘይግድሶ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ እዩ)
ተጋሩ ሕፈሩ እንትብለና፡ ህወሓት፡ ምልኪኡ ንምኽዋል ንተቓወምቲ ውድባት ብዘይ ድምፂ ናብ ቤት ምኽሪ እተው እንትብል፡ ብስልሒት እቲ ድምፂ መረፃ መሰረት ዘይነበረ ሓደ ድምፂ ንባይቶና ብምሃብ መሰሐቄን ዓለም ገበረና።
ድሕሪ እቲ ውሳነ መንግስቲ ንኽተክል መረፃ ዝሰዓረ ህወሓት፡ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ መረፃ ንክንወዳደር ብዝተስማዕማዕናሉ ሕጊ መሰረት ኢና ንኸይድ፡ ብዘይ ድምፂ እተው ዝብል ሕጊ የለን ብምባል እንትኣብዩ፡ ውናትን ባይቶናን ድማ ሰጋእ መጋእ እናበሉ ፍቓደኛታት ኾኑ(ዳሓረ ውናት ኣንሳሒቡ እዩ)
8.4 ምክልላእ ኣፍልጦ ፤ ምስዓብ ኹናት ዘርኢ ምፅናት
ድሕሪ ጥቅምቲ 2013 ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝበሃል ኣይክህሉን’ ዝብል ዘረባ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኽውን ዝኾነሉ መዓልቲ ተቓረበ። ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ዝተወሰነ ኮማንዶ ሓይሉ ልኢኹ፡ ክፍፅሞ ዝሓሰበ ኦፕሬሽን ድሕሪ ምፍሻሉ ወታደራቱ ናብ ዶብ ትግራይ የፀግዕ ከም ዘሎ ሓበሬታታት ክናፈሱ ጀመሩ። ሓይልታት ኣምሓራን ሻዕብያን እውን ገዚፍ ክበሃል ዝኽእል ወታደራዊ ምድላዋቶም ይወጋግኑ ከምዘለው ግሉፅ እናኾነ መፀ። ደብረፅዮን ማንም ንትግራይ ክወርር ዝደሊ ሓይሊ ካብ ቆቦ ፎቶ ተላዒሉ ክምለስ ተዘይኾነ፡ ምንም ዘምፀኦ ነገር ከም ዘየለ ክዛረቡ ተሰምዑ። ሰላም ኢና ንደሊ እምቢ ክወግእ እየ ዝብል እንተልዩ ግን ይፈልጡና እዮም ክብሉ እውን ተሓነዩ። ኣብዚ ምትፍናን ውሽጢ ብዙሓት ብዝስማዕምዕሉ ነጥቢ ወራር እንተመፂኡ ክከላኸለልና ይኽእል እዩ ኢሉ ኣሚኑ፡ ኣብ እዋን መረፃ ዝሓሸ ናይ ምተትንታን ዓቕሚ ካብ ዘርአዩ ተናሓናሕቲ ውድባት ንህወሓት ዝመረፀ ህዝቢ ትግራይ እውን፡ እንታይነት ወታደራዊ ምድላው ህወሓት እኳ እንተይፈለጠ፡ ብወታደራዊ ልምድን ዓቕምን እቲ መንግስቲ ክመርሐሉ ዝመረፆ ውድብ ህወሓት እምነት ነይርዎ እዩ።
24 ጥቅምቲ፡ ምሸት ድማ፡ ኣካል እቲ ናብ ዶባት ትግራይ ተፀጊዑ ዝተብሃለ ወታደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ዝኾነ እዚ ሰሜን ኦፐሬሽን ብምፍፃም፡ ዳሓርኳ ኣዘራራቢ እንተነበረ ዕውት ዝበሃል ምሸት ኣሕለፈ። ብዝሰምዖ ናይ ተኹሲ ድምፂ ንዝሰንበደ ህዝቢ፡ ንረጋጋዕ ብዝብል ጥቃዕ ፌስቡክ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ክረጋጋዕ ተገበረ። ሰዓት ሽድሽተ ናይ ለይቲ ድማ ናይ ስልኪ ኔትዎርክን መብራህትን ዝበሃል ኣብ መላእ ትግራይ ተቛረፀ። ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቴሌቪዥን መንግስቲ ኢትዮጵያ ወታደራዊ ክዳን ተኸዲኑ ብምምፃእ፡ ‘የናት ጡት ነካሾች’ ዝብል ደርጋዊ ሓረጋት ብምጥቃም ነቲ ኣቐዲሙ ዝጀመሮ ኹናት ዕላዊ መግለፂ ሃበሉ። ካብ ሃይማኖታዊ ክሳብ ማሕበራዊ፣ ካብ ኢኮኖሚያዊ ክሳብ ፖለቲካዊ ሊሂቃን ኣምሓራን መላእ ኢትዮጵያን ታሕጓሶምን ጭዳረኦምን ገለፁ። ንሰራዊት ኢትዮጵያ ይመርሑ ዝነበሩ፡ ወያነ ትግራይ ካብ ምሩኹነት ኣልዒሉ ጀነራልነት ዘሰከሞም በዓል ባጫ ደበሌ ‘ዘርኣዊ ጓስጓሶም’ ኣጎሃሃሩ። ተረኻት ሕሶት ብምፍጣር፡ ብተጋሩ ዝተገፍዑ ወታደራት ሰሜን እዚ ከመይ ኤርትራውያን ከም ዘድሐንዎም ተጠሊዖም ተዛረቡ። ኢትዮጵያ ንስለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ትሕነዮ ዝነበረት ዘርኢ ትግራይ ናይ ምጥፋእ ሕልማ ክትፍፅም ተቓረበት።
ከምቲ እኹል ዝምክት ሓይሊ ኣለና ዝበሎን ከምቲ ብህዝቢ ትግራይ ተስፋ ዝተገበረሉን ዘይኾነስ፡ ኢትዮጵያ፣ ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ሶማሌን ኤርትራን ናይ ደገ ተሓባበርቶምን ንምግጣም ሸሞንተ ሽሕ ኣባላት ፉሉይ ሓይሊ ጥራሕ ሒዙ ንኹናት ዝኣተወ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሰለስተ ሰሙን ውሽጢ ጥራይ ንዋና ከተምኡ መቐለ ሓዊሱ ንመላእ ትግራይ ንፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣረኪቡን ብድምፂ ገብረ ዓዴት ህዝባዊ ቃልሲ ፀዊዑ ንበረኻታት ትግራይ ኣተወ። እተን ካብ ሰሜን እዝ ዝተረኸባ ከበድቲ መሳርሕታት ድማ ኣደዳ ድሮናት ዓረብ ኤምሬት ኾና። ህዝቢ ትግራይ ብድምፁ ዘጠሾ መንግስቲ ፈሪስዎን ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕን ፅንተትን ተፈፂምዎ ብምስሌነታት ክመሓደር ድማ ተገደደ። ግፍዓዊ መቕተልቲ፣ መድፍርቲ እዱባት ደቁ፣ መግረፍቲን ካልኦት ንምፅሓፎም ዘስካሕክሑ ግፍዕታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምዝናቦም ድማ ቐፀሉ። ምስለነ ተጋሩ ኣፎም ዝኸፍትሉ ህዝቢ ድማ ኾነ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኹ እቲ ዝኸፈአ ግፍዒ ተፈፀሞ። ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ፓርላማ ቐሪቡ ንዝሰርሖ ግፍዒ ‘ሓደ ንፁህ ሰብ ተይተንከፍና መቐለ ሒዝናያ’ ኢሉ ባጫ ወሰኸሉ።
8.6 ብሄርተኝነት ትግራይ ዝዓብለሎ ተረኽን ቃልስን ሸሞንተ ኣዋርሕ ብሄረ ትግራይ!
ብዝበፅሖ መከራ ዘይተሸነፈ ህዝቢ ትግራይ፡ ህዝባዊ ቃልሱ ከቀፃፅል፡ እዚ ግበር እዚ ግበር ዝበሎ ኣብ ዘየለሉ፡ ባዕሉ መኺሩ፡ ናይ ወፃኢ፣ ናይ በረኻን ናይ ከተማን ቃልሲ ሰንሰለት ዘርጊሑ ክቃለስ ጀመረ። እምቢ ንመሰለይ እምቢ ንግራተይ ዝበሉ መናእሰይ ትግራይ ንበረኻታት ክውሕዙ ጀመሩ። ከተማታት ትግራይ ‘ህዝባዊ ኣበያ’ መግለፂአን ኾነ። ዓበይቲ ሃገራት ዓለም ብናይ ተጋሩ ናይ ‘ኣደባባይ ዲፕሎማሲ’ ተገረማ። ውፉያት ተጋሩ ብዝገበርዎ ፃዕሪ ድማ ሚድያታት ዓለም ግፍዒ ተጋሩ ክፅብፅባ ጀመራ። ዓበይቲ ሃገራት ንምሕብኡ ዘይከኣል ግፍዒታት ንዝፈፀሙ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ፈለማ ዝነበረን ደገፍ ድማ ሓደብሓደ ከልዕላ ጀመራ። ብህወሓት ኾርዩን ተበዲሉን ዝነበረ ኹሉ ፖለቲካዊ ኣፈላላይና ንፅናሕ ኢሉ፡ ‘መንነተይ’ ኢሉ ንበረኻ ወሓዘ። መላእ ትግራይ ንቃልሲ ሓዝ ክሕዝ ኾነት። ድሕሪ ምግምማዕ 93 ካብ ህወሓት ተኣልዮምን፡ ብዙሕ በደል በፂሕዎምን ዝነበሩ፡ በዓል መሉጌታ ጫልቱ ኣብ እርጋኖም ካብ በረኻታት ትግራይ ድምፆም ተሰምዐ። ከተማታት ትግራይ ‘ኣታ ፃድቃን፣ ተወልደ፣ ጫልቱያ ኣብ በረኻታት ትግራይ ይቃለሱ ኣለው’ ዝብል መዓልታዊ ወግዐን ኾነ። ተናሓናሕቲ ህወሓት ዝነበራን ብህወሓት ብዙሕ ዝተፀለማን ውድባት እውን ኣብቲ ቃልሲ ‘መንነት’ ኣብ ቅድሚት ተሰለፋ። መቐሎ ዕዮ ተወሲዱ ገሊኦም መራሕተን ኣብ በረኻ እንትኮሽሑ ገሊኦም መራሕተን ‘ፎረም ብሄራውያን ውድባት ትግራይ’ ኢሎም ኣብ ከተማ ቃልሶም ኣጠናኸሩ። ብድፍረት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ፅንተት ይፍፀም ኣሎ፡ ዛጊድ ልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ህዝብና ተወዲኡ ኣሎ ዝብል ዓለም ጫውጫው ዘበለ መግለፂ ድማ ኣብ ጓጋ ፀላኢ ኾይነን ኣውፃኣ። ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ቅርፂ ሓዘ። TDF ዝብል ስም ኣብ ሕድሕድ ገዛ ትግራይ ኣተወ። ዓለም እውን TDF ክትብል ጀመረት። ኣብዚ ድምፂ ብሄራዊነት ትግራይ ዝነበረት መፅሄት ረመፅ ልዑል እጃም ነይርዋ።
ግፍዒ ፀላእቲ ዘማረሮ መላእ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ እቲ መንእሰይ፡ ብዝገበሮ ፅንኩር ቃልሲ ሸሞንተ ወርሒ፡ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኸቢድ ውርደትን ስዕረትን ተሸኪሙ ካብ መብዛሕቲኡ ክፋላት ትግራይ ተሰጎገ። ሚድያታት ዓለም፡ ሓድነት፣ ወታደራዊ ጥበብን ጅግንነት ተጋሩ ዝገልፃሉ ቃላት ሰኣና። 21 ሰነ ሓይሊ ትግራይ ንዋና ከተምኡ መቐለ እንትቆፃፀር፡ ፉሉይ ናይ ጅግና ኣቀባብላ ተገበረሉ። ሓራ ዝወፀ ኹሉ ከባቢ ትግራይ ብናይ ሓጎስ ሁራ ተቐፃፀላ። ትግራዋይ ኣይሰዓርን፡ ትግራዋይ ኣይንብረከኽን፡ መዝሙር ዓለም መሰለ። እዚ ቃልስን ተረኽን ሸሞንተ ኣዋርሕ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ደጀን(መቐመጢ መንግስትነት ትግራይ) ህወሓት ኣብ ዘይነበረተሉ ግዘ ዝተፈፀመ ቅያ ምዃኑ ልቢ ንበል። ካብቶም ምስጢር ዓወታት ትግራይ እቲ ዋና መንነትን(ትግራዋይ ብሄራዊነት) ምዃኑ ድማ የረጋግፀልና።
8.7 ድሕሪ 21 ሰነ
ድሕሪ 21 ሰነ ንደጀንን ሓወልቲ ሰማእታት ዝርከብ ቤት ፅሕፈቱን መሊሱ ዝተቖፃፀረ ህወሓት መሊሱ ከም መሪሕ እቲ ቃልሲ ክረአ ጀመረ። ብውሳነ ህወሓትን ነቲ ኹናት ክመርሕ ተባሂሉ መብዛሕቲኦም ኣባላት ፖሊት ቢሮ ህወሓትን ብዝመርሕዎ ውሳነ ሴንትራል ኮማንድ ድማ፡ ሰራዊት ትግራይ ሙሉእ ሓርነት ትግራይ ከረጋግፅ ናብ ምዕራብ ትግራይ ክግስግስ ካብ ዝብል ትፅቢት ህዝቢ(ብፍላይ ድማ እቲ ብሄራዊ ሓይሊ) ወፃኢ፡ ጉዕዝኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብዝመስል መልክዑ ንዓፋርን ክልል ኣምሓራን ገበረ። ‘በሪ ናፅነት ትግራይ’ ዝተብሃለሉ ምዕራብ ትግራይን ህዝብናን ድማ ጅሆ ተትሓዘ።
ህወሓት ይኹን ዝመርሖ መንግስቲ፡ ድሕሪ 21 ሰነ ኣብ ዘለው ናይ መጀመርያ ኣዋርሕ፡ ‘ንሕና በረኻ እንተሎና ኣበይ ነይርኹም?’ ዝብል ገምጋማት ናብ ምስላጥ ኣተወ። እከለ ‘ባንዳ’ እዩ እከለ ‘ባንዳ’ እያ እናተብሃለ ድማ፡ ሃገረ ትግራይ ንምውላድ ሰሚሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ህዝቢ ዘይምቅዳወት ክፍጠር ሕርጊድ በልሉ። ነዚ ኣካይዳ ህወሓት ብምቅዋም፡ ናፅነት ሃገረ ትግራይ ዝጠልባ ውድባት ሳወት፣ ውናትን ባይቶናን ትርር ዝበለ ቅዋመን ከስምዓ ጀመራ። በዚ ዝደንገፀ ዝመስለ ህወሓት ድማ፡ ነቲ ኹናት ይመርሑ ንዝነበሩን ብህዝቢ ዳርጋ ‘ክምለኹ’ ቀሪቦም ዝነበሩ ጀነራላት ናብ መስኮት ቴሌቭዥን ክቐርቡ ብምግባር፡ ናይ ምፍርራሕ ሙከራታት ተገበረ። ኣብዚ ግዘ እምበኣር ነይሩ፡ ኣብ ብዙሓት ለባማት ልቢ፡ ናይ እማን ኸ ሙሉእ ዓወት ክርከብ ድዩ? ሃገርነት ትግራይ ኸ ክረጋገፅ ድዩ? ዝብሉ ጥርጣረታት ክዓስል ዝጀመረ።
ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሕመቕ ከም ዘሎ ኾይኑ፡ ንደቡብ ገፅ ዝገስገሰ ሰራዊት ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ፀላእቲ ኸቢድ ዝበሃሉ ኪሳራታት ብምምዝጋብን ዋጋ ብምኽፋልን ወልድያ፣ ደሴ ኮምቦልቻ በቲ ሓደ ገፁ ድማ ብዙሓት ክፋላት ዓፋር ካብ ኢድ ፀላኢ እናተረከበን መስዋእቲ እናኸፈለን ተኣምራቱ ቀፀለ።
ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሕመቑ ከስተኻኽል ዘይኸኣለ ህወሓት፡ ካብ ሓዘኔታ ዝፍልፍል ትግራይ ረኺባቶ ዝነበረት፡ ዲፕሎማስያዊ ደገፋት ድማ ሓደብሓደ ክሕንሽሽ ጀመረ። ኣዲስ ኣበበባ ክትኣትው ኣይንፈቐደልኩምን ዝተብሃሉ መሪሕነት ህወሓት፡ ክንዲ ምዕራብ ትግራይ ናፃ ምውፃእ ናብ ኮርቻ ኣራት ኪሎ ጉየኦም ቀፀሉ። ናይ ርዕዮተ ዓለም ለውጢ ትገብሩ ዲኹም? ንዝብል ሕቶ ኣሜሪካ ድማ ሸለል በልዎ። ንናፅነት ድዩ ቃልስና? ዕላማ ቃልስና ብግልፂ ይዘረብ ንዝብል ሕቶን ድልየትን መንእሰይ ትግራይ ፀማም እዝኒ ብምሃብ ድማ ነገራት ሾኽሊሎምን መንግስቲ ኣብይ ህዝቡ ብዝበለፀ ኣንፃር ትግራይ ዝሰለፈሉ ምኽንያት እናሃቡን ጉዕዞ ኣዲሳበኦም ኣፋጠኑ።
ከምዚ ነገራት እንትቕፅሉ፡ ህወሓት ካብ ተጋሩ ዝቐረበሉ ፃውዒት ‘ዓቕምና ንኣክብ’ ሸለል ኢሉ ኣብ ውሽጥን ብበዝሒ ድማ ኣብ ደገ ምስ ዘለው፡ ናይ ፌደሬሽንን ኮንፌደሬሽንን ሓይልታት ኢሉ ምስ ዝሰመዮም ‘ስምምዕ ትሕብብር’ ፈረመ። ብልዑል ጀግንነት ሰሜን ሽዋ ዝበፀሐ ሓይሊ ትግራይ፡ ምስ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ(ውቦ) ተራኸበ። ኣንፃር ፅንተት ትግራይ ዘካየደቶ ቃልሲ ድማ ዝኽምበት መሰለ። መራሕቲ ሰራዊት ዝኾኑ በዓል ጀነራል ፃድቃን ‘ክንደራደር ንደሊ ኢና፡ ግን ምስ መንሞ ክንደራደር?’ ብምባል መወዳእታ እቲ ኹናት ዘበሰረ ዝመስል ቃለመሕትት ኣብ መስኮት ቴሌቭዥን ሸው ኣበሉ። ኣባል ፖሊት ቢሮ ህወሓት ዝኾነ ጌታቸው ረዳ እውን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እዚ ቅዋም ብቕየዐ መልክዕ ደጋጊሙ ተዛረቦ። ሙሉእ ሩፍታ ዝናፈቖም ተጋሩ፡ ገዲም ዝተረፈ ምዕራብ ትግራይ እዩ፡ ኣዲስ ኣበባ ምብፃሕ ተተኻኢሉ ብዘይ ኹናት መሬት ዓዲ’ቦና ክንርከብ ኢና ዝብል ተስፋ ከሕድሩ ተገደዱ።
ድጋፍ ዓለምለኻዊ ዲፕሎማሲ ግን ድቃስ ብዘብዘሐ መሪሕነት ህወሓት ምኽንያት ቀስብቀስ ክሰኣን ጀመረ። ባንኪን ቴሌን ‘ሊበራላይዝ’ ክትገብርዎ ዲኹም? ንዝብል ፃውዒት ዓበይቲ ሃገራትን ትካላትን ሸለል ዝበለ መሪሕነት ህወሓት፡ ካብ ውድባት፣ ኣክቲቪስታትን ግዱሳት ምሁራት ዝቐረበሉ፡ ‘ብቁልጡፍ ሊበራላይዝ ክንገብሮ ኢና’ በልዎም ዝብል ምኽሪ ድማ ብንዕቐት ሓለፎ። ዝፈረሰ ዝመሰለ መንግስቲ ኣብይ ድማ ኣብዚ ጉዳይ፡ ምስ ዓበይቲ ሃገራትን ትካላትን ተሳንዩ፡ ኩሉ ነገር ከሀግሮ ፍቓደኛ ኾይኑን ነቲ ፃውዒት ፃዕዱ ከም ዝቕበሎ ብምስጢርን ብቕላዕን ከርእይ ጀመረ። ጠፊአን ዝነበራ ድሮናት ዓረብ ኤምሬትን ቱርኪን ድማ ኣብ ልዕሊ ሰማይ ሰራዊት ትግራይ ዝተቖፃፀሮ ቦታታት ሽሾ ኾይነን ክረአያ ጀመራ። ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ መዓልታት ሃጥ እንተበለ ሰሙናት ተሪፍዎ ዝነበረ ሰራዊት ትግራይ ክንደይ መስዋእቲ ኸፊሉ ዝሓዞም ቦታታት ኣብ መዓልታት ብዘይተፀንዐን ብዙሕ ዋጋ ብዘኽፈለን መገዲ እናለቐቐ ንትግራይ ክምለስ ግድን ኾነ። ዝተወደአ ኹናት፡ ኣዞ ብዘይብሉ ውሳነ ፖለቲካዊ መሪሕነት ተኾለፈ። ምኹላፍ ጥራይ ከይኾነ ናይ ኣሽሓት መላምል ደቂ ትግራይ ህይወትን ኣካልን ድማ ኣስአነ። ሰራዊት ትግራይ ብሚሒር ጓሂ ዝሕንዝሕ እናነብዐ ናብታ 21 ሰነ ዝነበራ ቦታ ተመለሰ። ድሕሪኡ ንኣዋርሕ ዝፀንሕ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ተኸምበተ። ፀላእቲ ትግራይ ዓሽ በሉ፡ ትግራይ ፀልማት ተኸደነት።
8.8 ዕፅዋን ክባን!
መሪር ህይወት ደቂ ትግራይ ክቕፅልን፡ ህይወት ከቢዳ ትግራዋይ ንኸብዱ ክህብን፡ ጅግንነት ደቂ ትግራይ ክፃወርዎ ዘይኻኣሉ ሰብ ኢትዮጵያ ዝፈሓስዎ ኸቢድ ተንኮል እዩ፡ ዕሽነት ህወሓት ድማ ድሙቕ ተሓባባሪ ኾነ። ኣቶ ግዛው ዝመሳሰሉ ሰብ ኢሳት ‘ትግራይን ዘግተህ ማስራብ፡ ማንበርከክ’ መዝሙሮም ኾነ። ኣምሓራ ቲቪ ሊቃውንቱ ብግልፂ ትግራይ ዝብል ስም እውን ኣብ መዝገብ ገበን ክኣቱ ኣለዎ በሉ። ኣብ መላእ እዛ ጠላም ዓዲ ዘለው ማእለያ ኣልቦ ተጋሩ፡ ብመንነቶም ምኽንያት ከካብ ዘለውዎ እናተሃደኑ ናብ ማእኸል መዳጎኒታት(concentration camps) ክዳጎኑ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ሰይጣናዊ ስራሕ ብሓያሎ ቀፀለ።
በቲ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል፡ ምግብን መድሓኒትን ንትግራይ ክኣቲ እዩ ዋላ እንተተተብሃለ፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ምስ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኾይኑ፡ ወይ ከ! ገበሮ። ፀገም ምፅዋር ኣመሉን ልምድን ዝገበረ ህዝቢ፡ እዚ ደጋዊ ፅዕንቶ ከይኣኽሎ ብስርውና ምምሕዳር ህወሓት ተሓዊስዎ ኣብ ሓያሎ ፀበባን መከራን ኣተወ። ጨኪኖም ዝሰደዱ መናእሰይ እውን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ወሰኹ። ኣብዚ ግዘ ብሳወትን ውናትን ናይ ፖለቲካ፣ ሕጊን ሞራልን ሕቶታት ዝተሓንገጠ እማመ ሽግግር መንግስቲ ዝቐረበሉ ህወሓት፡ ነተን ውድባት ምስ ኣብይ ማዕረ ዝሰርዐን ‘ባንዳታት’ ከም ዝኾነ ለፈፈ። ገጥ ኢሎም ሕማቕ ምሕደራ ይቃወሙን ህዝባዊ ቃልስና ናብ ሰብ ዋንኡ ህዝቢ ትግራይ ክምለስን ይቃለሱ ኣብ ዝነበሩ ገለ መንቃሕቲ ማሕበረሰብ ተጋሩ እውን ፀለሎ ምልካዩ ብሓያሎ ቀፀሉ።
ከምዚ ነገራት እንትካረሩ፡ ወርሒ ነሓሰ ‘ሳልሳይ ዙር ኹናት’ ተወለዐ። እዚ ብዙሕ ደም ዝፈሰሶ ኹናት፡ ብሓያሎ ፀቕጢ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ጠጠው ክብልን ውዕሊ ፕሪቶርያ ሒዙ ክመፅእን ድማ ኸኣለ።
9. ውዕሊ ፕሪቶሪያን ድሕሪኡን
ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዙሕ ደንገርገር ሒዙ ምምፅኡ ኣይተረፈን፡ ብፍላይ ምስ ዕጥቂ ምፍታሕ TDF ተተሓሒዙ ብወገን ተጋሩ ሓያሎ ተቓውሞ በፂሕዎ እዩ። ድላዩ ይኹን ግን፡ ድምፂ ጥይት ክዝሕል ምግባሩ ዓብይ ዕረፍቲ ነይሩ።
ድሕሪ ፕሪቶሪያ ግዚያዊ ምምሕዳር ክትከል ብዝተፈፀመ ውዕሊ መሰረት፡ ሓቛፊ ዝኾነ ግዚያዊ ምሕደራ ክትከል ዋላ እንተነበሮ፡ ፍቕሮም ዝሓደሱ ዝመሰሉ ህወሓትን ብልፅግናን ናይ በይኖም ዕማም ገበርዎ። ህወሓት ብወነኑ ዘጣየሾ ኮሚቴ ምስረታ ግዚያዊ ምሕደራ ብወገን ሳወትን ውናትን ንፅገት እንተትገጥሞ፡ ገለ ክፋል ባይቶና አንትድግፎ ኻሊእ ክፋሉ ድማ ነፀጎ። ካልኦት ግዱሳት ምሁራት እውን እማመታት ሒዞም ዝመፁ እንትኸውን፡ ብፍላይ ኸይዱ፣ ኣወቃቕርኡን ዕላምኡን ኣመልኪቱ፡ ንውዕሊ ፕሪቶሪያ ቄናን ኢሉ ብዝፀወዖ ሳወት ዝቐረበ ሰነድ እማመ ድማ ንፅገት ሰዓቦ። በዓል ጀነራል ፃድቃን ሒዞምዎ ዝመፁ ሓሳብ ግዚያዊ ምሕደራ እውን ተቀባልነት ዝሰኣነ እንትኸውን፡ ህወሓት ንበይኑ ገዛ ዓፅዩ ምስ ብልፅግና እናተማኸረ ክተኽሎ ሕርጊድ ምባል ጀመረ።
ኣዋርሕ ገዛ ዓፂኻ ድሕሪ ምጅፋዕ ድማ ንጌታቸው ረዳ ፕሬዝዳንት ዝገበረ ግዚያዊ ምሕደራ ተጣየሸ። ካቤኒኡ ዕላው ዝገበረ እዚ ምሕደራ ዳርጋ ብህወሓት ዝውነን እዩ ምባል ዝከኣል ኾይኑ፡ ንሽሙ ብዝመስል መልክዑ፡ ንGSTSን ካብ ውናትን ሳወትን ተፈልዩ፡ ፃውዒት ወንበር እቲ ግዝያዊ ምሕደራ ዝተቐበለ ባይቶናን ቁሩብ ወንበር ሃበ። መራሒ እቲ ግዚያዊ ምሕደራ ንምምራፅ ኣብ ውሻጦ ህወሓት ዝነበረ ትፍንን ኣዋርሕ ዝበልዐ እንትኸውን፡ እቲ ምሕደራ ተጣይሹ ካብ ዝበሃል ናብዚ እውን እዚ ዝበሃል ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘኽበረ ስራሕ ክዓምም ኣይተርኣየን።
ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፃን ዛዕባ ተመዛበልቲ ተጋሩን ከምኡ ድማ ምስ ምብታን ሰራዊት ትግራይ ተተሓሒዙ ብሓፈሻ ንተጋደልቲ ትግራይ ብፍላይ ንጉዳኣትን ስውኣትን ተጋደልቲ ብቁልጡፍ ክግበሩ ይግበኦም ዝተብሃሉ ሰራሕቲ እንትኾኑ፡ ዛጊድ ግን ኣብዚ እቶ ዘብል ስራሕ ክስራሕ ኣይተርአየን።
ህዝቢ ትግራይ ዛጊድ እውን ኣብ ሓያሎ ፀገም ይርከብ። ኣብ ውሻጦ ህወሓት ዘሎ ምእንተ ወንበር ዝግበር ውጥጥ ምቕፃሉ ድማ ተወሳኺ መከራ ንህዝቢ ትግራይ ዝዕድም ኾይኑ ይቅፅል ኣሎ።
ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ እቲ ሰራዊትን RSF እናተብሃለ ዝፅዋዕ ዕጡቕን ዝተጀመረ ኹናት ሕድሕድ ድማ ንቀርኒ ኣፍሪካ ይኹን ንትግራይ ብሓያሎ ምፅላው ዘይተርፍ ኾይኑ፡ ብፍላይ ጉዳይ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ፅንተት ዘምለጦ ደቂ ትግራይ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ይርከብ።
ካብዚ መዋጥር እዚ ትግራይ ከመይ ኢላ ትድሓን? መዋፅኦኣ ኸ እንታይ እዩ ዝብል ድማ ንሊሂቃናትን ውድባትን ትግራይ ኸቢድ ፈተና ሒዙ ፈጢጡ ዝመፀ ኾይኑ፡ ዓቕሙ ዝእክብን ተዓፃፃፋይን ፖለቲካ እንትህሉ ትግራይ ናብ ዘለኣላማዊ ሩፍታ፡ ከምቲ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተመፅአ መገዲ በሃምነት እንተተደጊሙ ድማ፡ ትግራይ ዝበሃል ብሄር፡ መሊኡ ካብ ገፅ ምድሪ ዝሕከኸሉ ኩነታት ክፈጥር ይኽእል እዩ።
ካብ ፈለማ ክሳብ መወዳእታ ፅሑፍና ከም ዝራእናዮ ህወሓት ውፁእ ብሄርተኛ ሓይሊ ምዃን ካብ ዘይምኽኣል ክሳብ ጦብያዊ ሓይሊ(1977) ካብ ሓደ ብርቱዕ መራሒ ዘለዎ ሓዱሽ ገዛኢ መደብ ክሳብ ምሕሳብ ዘይኽእሉን ነቲ ብሄር ሓደጋ ዝኾኖ ገዛኢ መደብ እናተኸፋፈለ፣ እናናኣሰን ንትግራይና ድማ ብዲሞግራፊ ብጂኦግራፊን እናንአሰ፡ ህዝብና ድማ ንኣይሂ መዓት እናቃለዐ ዝመፀ ሓይሊ ከምዝኾነ ሪኢና ኢና። ሓደ ዓብይ ሕማም ትግራይ ንብሄራዊነት ካብ ዝስከፍ ፖለቲካ ህወሓት ይፍልፍል፡ ሓደ ዓብይይ መዋፅኦ ድማ ነዚ ሓይሊ ናብ ሙዚየም ካብ ምእታይን መንግስትነት ትግራይ ብብሄራዊ ሓይሊ ክትካእ ካብ ምግባርን ይፍልም።
Editor’s Note: The opinions expressed in the articles published on UMD Media are solely those of the individual authors and do not necessarily reflect the views or opinions of the editorial team or UMD Media as an organization. The publication of any opinion piece does not imply endorsement or agreement by UMD Media. Readers are encouraged to critically evaluate the content and form their own conclusions. Leave your comments below. Send us your thoughts and reflections to umd.media.2020 at gmail dot com.
Add comment