ክንፈ ሓዱሽ*
ትሕዝቶ እቲ ስምምዕነት ብምዝባዕ፣ መንነት ተሰማዕማዕቲ ኣካላት ብምጭብርባር፣ ሓሳባዊ ረብሓታት እቲ ስምምዕነት ብምጉላህ፤ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ከም ዓብዪ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዓወት ክቕርቦ ይፍትን ነይሩ። ኩሎም ሕቶታት ትግራይ ኣሀጊሩ ንስልጣን ዝጓየ ዝነበረ መሪሕነት ህወሓት ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ናብ ትግራይ ዝመፁ ልኡኻት ስርዓት ኢትዮጵያ “ኣብ ሞንጎና ሳልሳይ ወገን ኣየድለየናይ፡ ካብ ናይጀሪያ ሰብ ኣምፂና ክንሸማገል መሕፈሪ እዩ” ብምባል ነቲ ስርዓት ዘለዎ ተዋረዳዊ ተኣማንነትን (allegiance) እቲ ኸይዲ ንኽልቲኦም ገበነኛ ናይ ስልጣን ሓይልታት (ህወሓትን ብልፅግናን) ዘስማዕምዕ ካብ መደራደረቲ ዝተኸወለ ክልተኣዊ ድርድር ክግበርን ፃውዒት ገይሩ እዩ። ብምቅፃል “ሓደ ሚልዮን ትግራዋይ ኣይሞተን፤ ከምኡ ዝበሉ ሰባት እቲ ኣመራርሓ ኣጨፍጪፉና ንምባል እዩ” ብምባል ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ብሞት ሚልዮናት ዝግለፅ ሰብኣዊ ህልቂት ብመንፅር ንውልቁኡን ጉጅልኡን ዘስዕቦ ተሓታትነት ብምስፋር ፅንተት ትግራይ ብዕሊ ክሒዱ። እዙ ተግባር ቅሉዕ፣ ዘየሻሚ፣ ውፁእ ብሄራዊ ክሕደት እዩ። ይኹን እምበር እዙ ዝበለ መራሒ ህወሓት ሕጋውን ፖለቲካውን ዋጋ ኣይኸፈለን። መሪሕነት ህወሓት ሕጊ ኣብ ዝኾነሉ ዓዲ ክሕተት ትፅቢት ኣይግበርን።
*ኣባል ብሄራዊ መሪሕነት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ መምህር ምሕደራ ህዝቢ (Public Administration)
ኢሜይል፡ [email protected]
X፡ @hadush_kinfe
Editor’s Note: The opinions expressed in the articles published on UMD Media are solely those of the individual authors and do not necessarily reflect the views or opinions of the editorial team or UMD Media as an organization. The publication of any opinion piece does not imply endorsement or agreement by UMD Media. Readers are encouraged to critically evaluate the content and form their own conclusions. Leave your comments below. Send us your thoughts and reflections to umd.media.2020 at gmail dot com.
Add comment