ገብረስላሴ ኪሮስ ሃይሉ* ለካቲት 26፣ 2017 ዓ/ም
1. መእተዊ
ስርዓተ ምሕደራ ሓንቲ ዓዲ ናይ ብዙሓት ሓይልታት ዝተናበበ ጻዕሪ ዝጠልብ ስራሕ እዩ። ኣብ ዝዓበያ ዓድታት ሊሒቅ ሓይሊ ናይ ሕብረተሰብ ጥቕሚ፣ ድሕንነት፣ ፍትሒን ንምኽባር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብስፍሓት ዝንቀሳቀስ እዩ። ሊሒቃን መሰረታዊ ዝኾነ ሕብረተሰባዊ ለዉጢ ንክመፅእ፣ልምዓትን ሰላምን ሓደ ማሕበረሰብ ቀፃልነት ንክህልዎ ወሳናይ ግደ ክፃወቱ ዝግበኦም ክፋል ሕብረተሰብ እዮም። ኮይኑ ግና ኣብ ከም ትግራይ ዝመሰላ ዓዲታት ብስም ሊሒቅ ዝጽዋዕ ክፋል ሕብረተሰብ መስረታዊ ጸገማት ትግራይ ነቒስካ ብምውጻእ ጸገም ትግራይ ንምፍታሕ ዝተገበረ ጻዕሪ ግን ዳርጋ የለን ክበሃል ይኽእል። ከም ውጽኢቱ ድማ ትግራይ ኣብነት ድንቁርና፣ ጥሜት፣ ዕላምኡ ዘይነጸረ ጦርነት፣ ስደትን ውርደትን ኮይና ትርከብ። ትግራይ ድሕሪ ውድቀት ስልጣነ ኣክሱምን ይኹን ድሕሪ ሞት ሃጸይ ዮሃንስ ንብዙሕ ዓመታት መዐንደሪት ሊሒቃን ኢትዮጵያን ተለኣእኽቶምን ኮይና ትርከብ። ወጽዓ ዝመረሮም ተጋሩ ቀደማይ ወያነ ወሊዖም ኣንጻር ጨቆንቶም እኳ እንተተቓለሱ ብስንኪ ሕጽረት ዉሕሉል ኣመራርሓን ሓድነትን፤ስራዊት ሃጸይ ሃይለስላሴ ብነፍርቲ እንግሊዝ እናተሓገዘ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ጨፍጫፍ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ፈጺሙ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ንናጽንት ዝገብሮ ቃልሲ ድሕሪ እዚ እዉን ጠጠዉ ኣየበለን። ንስርዓት ደርጊ ንምድምሳስ ናይ 17 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ኣካይዱ እዩ። ዳርጋ ናይ ሓደ ትዉልዲ ዝኣክል ቃልሲ ኣካይዱ ምባል ይከአል። ኮይኑ ግና እቲ ኲናት ዝመርሑ ሊሒቃን ግልጺ ዝኾነ ዕላማ ስለ ዘይነበሮምን ብስሑት ገምጋም ዓለማዊን ኢትዮጵያን ኩነታት ተዓብሊሎም ስለ ዝመርሕዎ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዓብዪ በሰላ ገዲፋ ሓሊፋ እዩ። ኣብ ካልኣይ ወያነ ኣብ ትግራይ ልዕሊ ስድሳ ሽሕ ስዉእ ሚኢቲ ሽሕ ድማ ኣካል ጉድኣተኛን ቁፅሪ ብዝሕ ዝበለ ብሰንኪ ጥሜትን ቀይሕ ራዕዲን ሞይቱን ኣካሉ እዉን ጎዲሉ እዩ። ጊዚያዊን ኣንፈቱ ዘይነጸረ ፖለቲካዊ ዓወት ዝተጎናጸፉ “ሊሒቃን ትግራይ” ድማ ቃል ብጸቶም በሊዕም ትግራይ ዝበሃል ብሔር ስለ ምህላዉ ረሲዕም ኣብ ናይ ዉልቀ ዝነኦም ተጸሚዶም እቲ ብደመኛ ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ተተኺሉ ዝጸነሐ “ ኢድካ ሃብ ወይ ጥመ (surrender or starve)” ፖሊሲ ኣጠንኪሮም ቀጺለምሉ። በዚ ምክንያት ድማ ትግራይ ብዝተጸነዐ ፎርሙላ ህወሓትን ኢትዮጵያዉያንን ናይ ድኽነትን ድንቁርናን ኣብነት ኮይና ትርከብ። እቲ ዝተረፈ ሊሒቅ ትግራዋይ ድማ ንግስና ህወሓት ንግስና ኩሉ ትግራዋይ እንዳመሰሎ ንናይ ህወሓት ስርዓት መጋበርያ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ህዝብና ናይ ጦርነት፣ ድኽነትን ሰደትን ቤተ ፈተነ ንኽገብርዎ ሰፊሕ ዕድል ረኺቦም። ኲናት ከም ዓብዪ ቅያ (adventure) ወሲዱም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሰፍ ዘይብል ማህሰይቲ እናፈፀምሉ ፀኒሖምን ይርከቡን። ጦርነት እማ መክሊትና እዩ፣ እንኳዕ ብሂወት እናሃለና ተፍጠረ እናበሉ ምኽኣል ቶኽሲን ኣተሓሕዛ ድፋዕን ዕጥቅን ከም ቀንዲ መግለጺ መንነት ተጋሩ ክገብርዎ እናሰርሑ ጸኒሖም እዮም። እቲ ሙሁር ሓይሊ ድማ ኣያታትና ናይ ኲናት ሳይንቲስትን መሃዲሳትን ኢኹም ኢሉ ዘይሕለል ድጋፍ እናገበረሎም ጸኒሑ።
ፅቡቕ ወለዶን መሪሕነትን ንቀፃሊ ትውልዲ ሰላምን ልምዓትን ፍቕርን ኣውሪሱ ይሓልፍ። ናይ ትግራዋይ ወለዶ ግን ኣይተዓደለን ካብ ወለዱን መራሕቱን ዝወረሶ እንተሃለየ ሕሽክረና፣ ዓርሰ ብዓርሰኻ ምትህልላኽን፣ ጦርነትን ዕላማ ዘይብሉ ሞትን ኮይኑ ተሪፋ።
ዳዊት ደስታ ተወልደ ደስታን ሚኪኤለ ደስታን ዝበሃሉ ዓብይቲ ኣሕዋት ኔሮምዎ። ኣቡኡ ንደስታ ወዲ 12 ዓመት እናሃለየ ኣብቲ ናይ 17 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተሰዊኡ። ደስታ ድማ ኣብ ናይ 1990 ዓ/ም ናይ ሻዓብያ ወራር ግዴተኡ ፈጺሙ ተሰዊኡ። ኣብ 2013 ዓ/ም ዘጋጠመ ጽንተታዊ ኲናት ድማ እንሕና እናሃለና መሬትን ህዝቢን ትግራይ መዐንደሪ ጸላእቲ ኣይኸዉንን ብምባል ኣሰር ኣበኦምን ኣባ ሕጉኦምን ተኸቲሎም ተወልደን ሚኪኤልን ኣንጻር ደመኛታት ጸላእቲ ንምቅላስ ተሰሊፎም። ኮይኑ ግና ተወልደን ሚኪኤልን ዕጫ ኣበኦምን ኣባ ሕጉኦምን በጺሕዎም ቅዱስ መስዋእቲ ከፊሎም። እዚ ሓቀኛ ታሪኽ እዚ ዳርጋ ኣብ ሕድሕድ ገዛ ትግራዋይ ዝርከብ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ንዘለአለም ኣብ ዕንክሊልን ጦርነትን ክነብር ዝተወሰነሉ ብሰንኪ ዓይኑ ዝዓወረ ሊሒቅ ትግራይ እምበር ካብ ሰማይ ብዝወርድ መቅዘፍቲ ኣይኮነን።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘበነ ስልጣን ህወሓት እውን እንተኾነ ከይበለዐ በሊዑ ከይሓለፈሉ ሓሊፉሉ እናተብሃለ ኣደዳ ፕሮፖጋንዳ ኢትዮጵያዉያን ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። እዚ ዝተነዘሐ ፕሮፖጋንዳ ፍረ ኣፍርዩ ነቲ ዝጸነሐ ታሪኻዊ ጎነጽ ናይ መወዳእታ ዕልባት ንምሃብ ኢትዮጵያዉያን ሓደ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጽንተታዊ ኲናት ኣዊጆም እዮም። ትግራዋይ ጥራሕ ከይኮነስ ትግራዋይ ይገልጹ እዮም ዝበልዎም ታሪኻት፣ቅርሲታትን መስተጋብራትን ከም ዘይነበሩ ጌሮምዎም እዮም። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ትግራዋይ ጠፊኡ፣ ኣዴታትናን ኣሕዋትናን ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኮይነን፣ ማእለያ ዘይብሉ ትግራዋይ ተገሪፉን ፍቓዶ እስርቤታት ተሳቕዩን እዩ። ትግራይ በቶም ኣብ ዓለም ኣብዚ እቶ ዝበሃል ታሪኽን ስልጣነን ዘይብሎም ህዝብታት ተወሪራ ኣብዚ ደረጃ ክትበጽሕ ምርኣይ ንልቢ ዘለዎ ትግራዋይ ድቃስ ዝኸልእ እዩ። ግን ጸላኢ ኩሉ ግዜ ጸላኢ እዩ። መርዚ እምበር መዓር ሒዙልካ ክመጽእ ኣይትጽበዮን። መራሕቲ ህወሓት ግን ብግልባጡ ስለ ዝሓስቡ ንህዝቢ ትግራይ ኢዱ ኣሲሮም ኣጨፍጪፈምዎ እዮም። ስለዚ መራሕቲ ህወሓት ክኽተልዎ ዝፀነሑ ፖለቲካዊ መስመር ናብዚ ሓዚ ዘለናዮ ኩነታት ክንበጽሕ ጌሮምና እዮም፡፡ እዙይ ከይኣክል መራሕቲ ህወሓት እቲ ናይ ሓምሳ ዓመት ዉደቀቶም ምንም ከይሓርበቶም ንህዝቢ ትግራይ ንተወሳኺ ሚኢቲ ዓመት ክመርሕሉ ዝኽእሉ ትልሚ ኣዉጺኦም ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ ብቓልዕ ነጊሮምና እዮም። ኣብዚ ናይ ሓዚ ወርቃዊ ኢዩ በልዩ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ካልኣይ ወያነ “ 50 ዓመት ኣብ ቃልሲን፣ ጽንዓትን ዓወትን” ብዝብል ቴማ ብኣኽረርቲ ህወሓት ጉጅለ ደብረጽዮን ተኸቢሩ ሓሊፋ እዩ። እንዳ ህወሓት ፈጺሞም ምስ ዓለማዊ ሓቂ ዝተብአሱ ስለ ዝኾኑ እምበር እቲ ዝተጠቐምሉ ቴማ ንህልዉ ኩንታት ትግራይ ይኹን ንሕሉፍ ኩነታት ትግራይ ፈጺሙ ኣይገልጽን።
ሞሃመድ ዝያድ ባሬ ዝተብሃለ መራሒ ነበር ሶማሊያ ፍጹም መላኺ ስርዓት ሃኒጹ ኔሩ። ንቲ ህዝቢን ሊሒቅን ሶማሊያዊ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል የፈራርሖ ኔሩ።
I, Mohammed Siyad Barre, am singularly responsible for the transformation of Somalia and Mogadisho from a bush country and scruffy hamlet into a modern state and commodious city respectfully. Consequently, I will not allow anyone to destroy me or run me out of here; and if they try, I will take the whole country with me.
እዚ ቃል ብቃል ክትርጎም ከሎ ድማ
ኣነ ሞሃመድ ዝያድ ባሬ ሶማልያን ሞቃድሾን ካብ ምድረበዳ ሃገርን ረሳሕ ቁሸትን ናብ ዘመናዊ ሃገርን ምዕብልቲ ከተማን ምቕያር ዝኽእል እንኮ ሰብ እየ። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ከጥፈአኒ ወይ ድማ ካብዚ ከውጸአኒ ኣይፈቅድን፤ እንተፈቲኖም ድማ ንዛ ዓዲ ሒዘያ ክጠፍእ እየ።
እንዳ ህወሓትን ኮሚሳራቶምን ድማ ንሕና ዘይንመርሓ ትግራይ ሒዝናያ ክንጠፍእ ኢና ይብሉ ኣለዉ።ቅድም ቀዳድም ውድብ ክትድሕን ኣለዋ መዓልታዊ ፕሮፖጋንደኦም እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ካብ ፍጹም መላኺ ስርዓት (despotic regime) ዝቕዳሕ እዩ። ትግራይ ናይ ውልቀ ርስቶም ጌሮም እዮም ዝሓስብዋ ልክዕ ከም ሞሃመድ ዝያድ ባሬ። ስለዚ ልክዕ ከም ሶማልያ ትግራይ ናይ ሕምስምስ ማእኸል ከይትኾን እቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ጸገም ከምይ ንእለዮ ዝብል ናይ ኩሉ ግዱስ ትግራዋይ መዓልታዊ ኣጀንዳ ክኾን ክኽእል ኣለዎ።
ትግራይ ንሓቀኛ ለውጢ ድልውትን ብቕዕትን እዃ እንተኾነት ንዚ ሓሳብ ዘተግብር ብሔራዊ ቁመናን ማሕበረ ፖለቲካዊ ሃዋህውን የለን፡፡ ስለምንታይ ኢልና ምስ እንሓትት ድማ ጸገም ትግራይ ድቃስ ከሊእዎ ክሰርሕ ዝኽእል ሊሒቅ ትግራይ ዳርጋ የለን፡፡ ከም ጓና ዓዲ እናጠፈኣት ኣማዕድዩ ይሪኢ ኣሎ። ኣብዚ ጽሕፍ እዚ እቲ ዋና ትኹረት ኣብ ህወሓት እዃ እንተኾነ ተናሓናሕቲ ብሔራዉያን ውድባት፣ ሰብ ሃፍቲ ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መራሕቲ ሰራዊትን ሕብረተሰብ ኣንቃሕቲን ብመጠኑ ንምፍታሽ ክሙኩር እየ።
2. መሰረታዊ ጸገማት ሊሒቃን ተጋሩ እንትፍተሽ
2.1 ህወሓት
ህወሓት ብመግዛእቲ ኢትዮጵያን ጸር-ዶሞክራስያዉነትን ዝተቖጥዑ ተጋሩ ዝተፈጠረ ውድብ እዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዙሕ ከይጸነሐ መትከላት ትግራዋይነት ሓንሺሹ ኣብ ህልም ዝበለ ኢትዮጵያዉነት ተሸጒጡ እዩ።ህርፋን ስልጣን ኣዕቢድዎም ንህዝቢ ትግራይ ብሙዚቃን ድራማን ብሔራዊ ስምዒቱ እናቀስቀሱ ናብ ኲናት ከሳዉርዎ ግድን ኮይኑ። ናይ ትግራዋይነት ዕላማ ተሓንጊጦም ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመሩ ውዳበታት ከም ግምባር ሓርነት ገድሊ ትግራይ (Tigray Libration Front) ከጥፍእዎም ተጋዓሩ። ባህሊ ህዝቢ ትግራይን ሕጊን ብዘይፈቕዶ ኩነታት ድማ ንፖለቲካዊ ድርድር ኢሎም ተኣማሚኖም ኣብ ዝተራኸብሉ ግዜ ኣብ ዝደቀስሉ ቦታ ንዓበይቲ መራሕቲ እቲ ግንባር ረሺኖምዎም። እዚ ድማ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዓብዪ በሰላ ገዲፋ ሓሊፋ እዩ።
ብናቶም ኣተሓሳስባ ቃልሲ ህወሓት ኣልፋን ኦሜጋን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ጌሮም እዮም ዝወስድዎ። 17 ዓመት ደማዊ ኲናት ኣካይዱ ሕልሙ ተሳኺዑላ ብደም ትግራዋይ ቤተ መንግስቲ ምንሊክ ተቆጻጺሩ እዩ። ህወሓት ትግራዋይነቱ ተሓሲሙ ኣድማሳዊ ኮይኑ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ተጋሩ ናይ ኢትዮጵያ ጎይታ ኮይኑ ምስቶም ብትግራዋይንቱ ዝጸልእዎ ህዝብታት ናይ ዘለአለም ቃልኪዳን ኣሲሩ ክነብር ወሲኑ ኔሩ እዩ። ካብቶም ስብ ዋና ኢና ዝብሉ ህዝቢታት ሕሉፍ ኢትዮጵያዊ ክኾን ኣብ ዝሞከረሉ ግዜ ድማ ቅንኢ ይመስል እቶም ስብ ዋና ኢትዮጵያ ንሕና ኢና ዝብሉ ኣምሓሩ ኣምሪሮም ክጸልእዎ ጀመሩ። ኣንጻሩ እዉን ብቓልዕ ምንቅስቓሳት ብምግባር ካብ ስልጣን ኣወጊደምዎ።
ገብሩ ኣስራት ልዕላዉነትን ዲሞክራሲን ኣብ ኢትዮጵያ ብዝብል ብ 2006 ዓ/ም ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ከም ዝሕብሮ ኣብ 17 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ናይ ትግራይ ስራዊት ትግራይ ነጻ ኣዉጺኡ ኣብ ኣምሓራ ክልል ኣብ ደቡብ ጎንደር ድሕሪ ዝገበሮ ሓያል ውግእ ብዙሓት ዕንቃፋታት ኣጋጢመምዎ ነይሮም እዮም። ትግራይ እንድሕር ነጻ ኣዉጺእና ኣብ ካሊእ ዓዲ ከይድና እንዋገአሉን እንሞተሉን ምክንያት የብልናን ብዝብል ምክንያት ዓዲ ዓዶም ምብታን ጀሚሮም ይብል። ኣመራርሓ ህወሓት ድማ እዚ ጸገም እዚ ጸቢብነት (parochialism) ዝወለዶ እዩ ኢሎም መማያየጢ ጽሑፍ ኣዳሊዮም ሰራዊት ኣመያይጦም ኔሮም። ገብሩ ከም ዝሕብሮ ብዛዕባ ጸቢብነትን መዘዛቱን ምይይጥ እኳ እንተተገበረ ለቒቖም ዝኸዱ ሰራዊት ግን ክቕንስ ኣይከአለን ይብል። ከም ገብሩ ኣገላልጽጻ ሐዚ ኮይኑ ክሪኦ ከሎ ብሔራዊ ስምዒቱ ካብ ሃገራዊ ሓድነቱ ኣብሊጽና ዝቐስቀስናዮ ሰራዊት ካብዚ ንላዕሊ ክኸድ ኣይክእልን ንዝበለ ሰራዊት ብጸቢብነት ክግምገም ኣይምትገበኦን ይብል።
ገብሩ ኣስራት ከም ዝበሎ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮም መርገጺ፣ ኣብ ሰራዊት ግገሓትን ኣመራርሓን ዝተወሰደ ስጉምቲን ብዛዕባ እዚ ናይ ጸቢብነት ገምጋምን ሐዚ ኮይኑ ክሪኦ ከሎ ኣይልክዕን።እዚ ማለት መራሕቲ ህወሓት ከም ሰብ ክሓስቡ እንተኮይኖም ካብ ስልጣን ክወርዱ ክኽእሉ ኣለዎም ማለት እዩ።ገብሩ እዉን ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ እዮ ህወሓት ኣብ ናይ ጥፍኣት ጎደና ከም ዘሎ ተረዲእዎ። ኬርያ ኢብራሂም እዉን ካብ ስልጣን ምስ ተኣገደት እያ ናይ ህወሓት ሕማቕነት ተረዲእዋ።
ብዛዕባ ትግራዋይነት ክብርን መንነትን ተጠቂምካ ንብሔሩ ናጻ ከዉጽእ ዘሰለፍካዮ ሰራዊት ብስነኪ ጸረ ስብ ዝኾነ ፖሊሲ ህወሓት ኣብ በረኸታት ኤርትራን ፍቓዶ ኢትዮጵያን ክመውት ተፈሪድሉ። ከምቲ ልዕል ኢለ ዝጠቐስክዎ ንትግራይ ዝቓለስ ጉዱስ ትግራዋይ ስለ ዘየለ እዩ እምበር መራሕቲ ህወሓት ብብሔር ኽሕደት ወይ ድማ ካሊእ ከቢድ ወንጀል ዘኽስስ ተግባር እዮም ፈጺሞም። ገብሩ እዚ ናይ ጸቢብነት ፕሮፖጋንዳ ምስ ፈሸሎም ካሊእ ሜላ ሒዞም መጽዮም ይብል። ንሱ ዳማ “ ናይ ማለሊት ድፋዕ ከይፈርስ፣ ናይ ማለሊት ኣዶ ከይትሕረድ ጠንኪርና ንዋጋእ” ይብል ኔሩ። እዚ መፈክር እዉን ከይተዓወት ተሪፋ። ብዙሓት ሓረስቶት ድማ እዞም ደቀይ ከምዚ ዝበለ መፍርሒን መደንገጽን መፍክር ኣይትጠቀሙ ሰራዊት ክፈርሰኩም እዩ ኢሎም መኺሮምና ይብል ገብሩ። እዚ ከይኣክል ድማ ኣብ 2014 ዓ/ም ዝነብረ ሳልሳይ ወራር መፈክር ጌሮም ዝተጠቀሙሉ “ እምቢ ንዳግማይ ጆኖሳይድ”ን “ኣዶ ትግራይ ድጋማይ ኣይትሕረድን” ይብል ኔሩ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣረሜናዊ ባህሪ ጸላእቲ ጥራሕ ከይኮነስ ብመደንገጺ መፈክር ህወሓት ሚሒር ጓህዩን ሰንቢዱን እዩ። እንዳ ህወሓት ከብ ዉድቀቶም ዘይምሃሩ ምኹኖም ዘረጋግጽ ዓብዪ ሓቂ ኮይኑ ሓሊፋ።
መራሕቲ ህወሓት ደረጃ ጭካነኦም ንምፍላጥ እቶም ደሞምን ኣዕጽምቶምን ከስኪሶም ኣብ ኮርቻ ስልጣን ኣራት ኪሎ ዘብጽሕዎም እዉን እዮም ብዘይ ምንም መትከሊ እግሪ “ ተጋሩ ሕልፊ ንስዋእ እምበር ሕልፊ ኣይንደልን” ብዝብል ግናይ ፕሮፖጋንዳ ክብተኑ ፈሪዶምሎም። ታሪኽ ባዕሉ ይደግም ከም ዝበሃል ድማ ኣብዚ ጽንተታዊ ኲናት ታሪኽ ሰሪሖም ዝቖሰሉን ኣካሎም ዝጎደሉን ተጋሩ ዳግማይ ብህወሓት ተኽሒዶም እዮም። ጠሚና፣ እኹል ሕክምና ኣይተገበረልና፣ ተኻሒድና ኢሎም ሰልፊ ኣብ ዝወጽሉ ግዜ ድማ ሓደጋኛ ጋዛ ተጠቒሞም በቲኖምዎም እዮም። ድሕሪ እዚ እዉን ማእሰርቲን መጭወይትን በጺሕዎም እዮ። ህወሓት ጀግንነት ተጋሩ ምርኻስን ጀጋኑ ተጋሩ ምጉስቓልን ናይ ብዙሕ ዓመት ዝተዋህለለ ተሞክሮኦም እዩ።
ብሔራዊ ስምዒት ዝነበሮም ግዱሳት ተጋሩ ድማ ብናይ ህወሓት መዝገበ ቃላት ኢድዩ፣ መድሐርሓሪ፣ ተወላዋሊ፣ ጃሱስ፣ ኳዂቶ፣ ጸቢብ፣ባንዳ ወዘተ እናበሉ ብመንገዲ መሓዉር ስለየኦም ጌሮም ክበታተኑን ተስፋ ክቆርጹን ሰሪሖም እዮም። ትግራዋይ ዓዲ ከይህልዎ ብዝመስል ኣብ ትግራይ ብዝተኸልዎ ሕልኽላኽን ተስፋ መቑረጺን ቢሮክራሲ ብዙሓት ፈተዉቲ ዓዶም ተጋሩ ፍቓዶ ኢትዮጵያን ካልኦት ዓዲታትን ክብተኑ ጌሮም እዮም።
ዝኾነ ኮይኑ መንግስቲ ወይ ድማ ዝኾነ ውዳበ ይጠፍእን ይፍጠርን እዩ። ህዝቢ ድማ ዘለኣለማዊ እዩ። ህወሓት ዝብሃል ኣብ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ስልጣን ደረጃታት ዝጸነሐ ውድብ ድማ ግዚኡ ኣኺሉ ወዲቑ ኣሎ። ኣምባገነን ስርዓት ክወድቕ ከሎ ድማ ኣብታ ዓዲ ሰለማዉያን ሰባት ተመላሊኡ ከም ዝኸድ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ህወሓት ድማ ንብዙሕ ዘመናት ገባርን ሓዳግን ዝነበረ ውድብ ስለ ዝኾነ በሰላን ምልክታትን እቲ ስርዓት ብሓደ ግዜ መሊኡ ዝጠፍእ ኣይኮነን። ዝኾነ ኮይኑ ብናይ ፖለቲካ ቋንቋ ህወሓት ብዞም ዝስዕቡ ወድዓዊ ምክንያታት ዝሞተ ውድብ እዩ ኢልካ ምዉሳድ ይከኣል።
ሀ) ክሕደትን ጸረ ብሄራዉነትን
ህወሓት እቲ ሐዚ ዝቐተሎ ሕምም ዝተለኸፈ ገና ብዕሸሉ እናሃለየ እዩ።ናይ ትግራይ ብሔራውነት ፈንፊኑ ብሽም ኣድማሳዊ ህዝባዉነት ናይ ዓለም ሸቃሎ ማሕበረሰብ ተሓላቒ እየ ክብል ከሎ እዩ።ኣብ ሞንጎ እዚ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ቀጻሊ ዕጽዋን ክባን ንምእታዉ ናይ ወጻእን ዉሽጢ ዓድን ፖሊሲታት ሓንጺጹ ነታ ናይ ኣዲስ ኣበባ ወንበር ንኽሕሊ ተጸሚዱ።ትግራይ ምእንቲ ስልጣን ህወሓት ትሕጃ ተታሒዛ ንብዙሕ ዓመታት ጸኒሓ እያ።
ለ) ኢትዮ-ኤርትራ ጦርነት
ህወሓት እቲ ብ 17 ዓመት ዝፈረየ ህዝባዊ ሰራዊት ናይ ስልጣነይ ስግአት እዩ ኢሉ ስለ ዝኣመነ ብዘይምንም ጥቕማ ጥቕሚ ድዃዕዃዕ ኣቢሉ ኣፍሪስዎን ዓዱ ዓዱ ሰኒይዎን እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያን ትግራይን ጸላኢኹም ድኽነት (securitization of development) ጥራሕ እዩ ብዝብል ዝምቡዕ ኣመለኻክታ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ 7 ዓመት ናብ ካሊእ ደማዊ ኲናት ኣሳጢሕዎን ብወረርቲ ሓይልታት ኣድፊርዎን። ስርዓት ሸዓብያ ክወረና ኩሉ ዓይነት ምድላዋት ይውግን ኣሎ ዝብል ዝተረጋገጸ ሓበሬት እኳ እንተነበረ “ ስርዓት ሸዓብያ እንተዘይዓቢዱ ኣይወረናን” ብዝብል ድሕኑቕ ኣካይዳ ንህዝቢ ትግራይ ኢዱን እግሩን ኣሲሩ ብሰራዊት ሸዓብያ ኣቐጥቂጥዎ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣዶ ትግራይ ዳግማይ ሓዚና። ደም ዕሸላት መናኣስይ ትግራይ ንከንቱ ፈሲሱ ተሪፋ። ውድቀት ስትራተጂካዊ መሪሕነት እቲ ቐንዲ መለለዪ ጸገም እንዳ ህወሓት እዩ። እቲ ብዉግእ ዝረኸብናዮ ታሪኻዊ ዓወት ብዲፕሎማሲን ብፖለቲካ ዉድቀትን ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘመን ህወሓት ንኻልኣይ ግዜ ተሓንሺሹ ተሪፈ። እንሄ ድማ ክስካብ 2013 ዓ/ም ኣብ ሞንጎ ኣሕዋት ህዝቢታት “ኣይ ኲናት ኣይ ሰላም (no peace no war)” ዝበሃል ዝኸስረን ናይ ህልኽን ፖሊሲ ብምኽታል ትግራይ ንኢንፈስትመንትን ካልኦት ናይ ልምዓት ስራሕቲን ዘይትሙቺ ዓዲ ኮይና ክትጸንሕ ተጌሩ እዩ።
ሐ) ብ 1993 ዓ/ም ዝተፈጠር ክፍፍል/ምስንጣቕ ህወሓት
ብዙሕ የዋህ ትግረዋይ እዚ ምስንጣቅ ረብሓ ትግራይ ብኸመይ ይኽበር ኣብ ዝብል ናይ ዕላማ ኣፈላላይ ብዝተፈጠረ ክፍተት እዩ ይብል። እዚ ድማ ህወሓት ክፍጠር ከሎ ጥር ትብል ብሔራዊ ሓልዮትን ብሔራራዊ ስማዒትን ዘይነብሮ ውድብ እዩ ምስ ዝብል ወድዓዊ ሓቂ ዝጋጮ ስለ ዝኾነ ዝሽመት ሓሳብ ኣይኮነን።ምልክታት ሕማም ህወሓት ግልጺ እናኾንሉ ዝመጹ ግዜ እዩ ግን ኔሩ።ዝኾነ ኮይኑ ምስንጣቕ ህወሓት ንብሔር ብሔረሰባት ኢትዮጵያ ዓብዪ ዕድል ኮይኑ። ምስ ብሔሩን ህዝቡን ዝተበአሰ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ከም ባዕዳዊ ገዛኢሓይሊ (colonizer) ተጌሩ ዝግለጸሉ ኣተሓሳስባ እናዓበየ ከይዱ።
መ) ሞት መለስ ዜናዊ
መለስ ዜናዊ እቲ ዋና መሃንዲስ ጥፍኣት ትግራይ እዩ ኢልካ ምዉሳድ ይከአል። ድሕሪ ናይ 1993 ዓ/ም ምስንጣቕ ህወሓት ናይ ህወሓት ገባሪ ሓዳጊ ብምዃን ኣምባገነን ስርዓት ዝሰረተ መራሒ ኔሩ ኢልካ ምግላጽ ይከኣል። ዝኾነ ኮይኑ ብናይ ህወሓት ኣገላልጻ እቲ ዋና ሓሳቢ( thinker) ተጌሩ ይዉሰድ ኔሩ። በዚ ምክንያት ድማ ድሕሪ ሞት መለስ ውድብ ህወሓት ተመግዲራ ናይ ሆስፒታል ቀዋሚት ተሐካሚት ዝኾነሉ ግዜ እዩ ኔሩ።ሊሒቃን ብሔር ብሔረሰባት ኢትዮጵያ ድማ ብዙሕ ከይጸንሑ ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ድሕሪ መጋረጃ ዝጋግርዎ ዝነበሩ ተንኮል ብግልጺ ምፍጻም ጀሚሮም። ካብ 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ትግራዋይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ጎንደር ኣባልን ደጋፍን ህወሓት እዩ ብዝብል ሰበብ ተቐቲሎም፣ ብሓዊ ተቓጺሎም፣ ሃፍቶምን ንብረቶምን በሪሱን ተሰሪቁን ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ናብ ሱዳን ክስደዱ ተጌሩ እዩ። ህወሓት ድማ ምስ ብሔር ብሔረስብ ክይጻላእ ምእንቲ እዚ መስካሕክሒ ግፍዒ ርእዩ ከም ዘይረኣየ ሓሊፍዎ።
በዚ ኣይተረፈን ብ 2010 ዓ/ም ድማ ብውዲት ደጋውን ውሽጣዉን ሓይልታት ብኸቢድ ተውቒዑ፣ ባንክን ታንክን ተመንጢሉ ናብቲ ኮርቻ ስልጣን ዘብጽሖ ግን ድማ ዝተኽሓደ ህዝቢ ትግራይ ህድማ ኮይኑ። በስቢስና፣ ጥቕመኛታት ኮይናን፣ ንዋይ ፎቲና፣ ስትራተጂክ መሪሕነት ስኢንና ንክብል ድማ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ስብሰባ ተቐሚጡ እዩ። ብዛዕባ ሃጋራዊ፣ ጂኦፕላቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪካን ዓለምን ዝጥምት ገምጋም ኣየካየዱን። ከካይዱ ኣዉን ኣይኽእሉን። ምኽንያቱ ዓቅሚ ስለ ዝሓትት።
ድሕሪ ህድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ኣብ መቐለ ኮይኑ እዛ እምባይ መን ይወርሳ እናበለ ይፍክር ጸኒሑ እዩ። እቶም ጸላእቲ ድማ ህወሓት ብርኩ ጠሊምዎ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከብ ውድብ ምኹኑ ኣይጠፈኦምን። ካብ መጀመርትኡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ “ ቻዉ ወያነ” ወይ ድማ “ Game over weyane” ክብል ገሊጽዎ እዩ። ኢሳያስ “ወያነ” ዝብል ቃል ህወሓት ንክብል ዝተጠቐመሉ ኣገላልጻ እዩ። ኢሳያስ ካብ ንህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣምሪሩ ከም ዝጸልእ ዝፍለጥ ሓቂ እዩ። ብዝኾነ ካብ ኢትዮጵያ እዉን ተመሳሳሊ ፕሮፖጋንዳትት ይውዝዑ ኔሮም። ህዝቢ ትግራይ ደጀን ክኾኖ ዝኽእል ሓይሊ የለን ኢሎም ዝደምደሙ ጸላእቲ ድማ ኣብ 2013 ዓ/ም ኣብ ህዝቢ ትግራይ ጽንተታዊ ኲናት ኣዊጆም። ህወሓት ድማ ብዝነበሮ ናይ ነዊሕ ግዜ ዝተውሃለለ ጸገም ምክንያት ነቲ ኲናት ንምምራሕ ዘኽእል ብቕዓት ኣይነበሮን።
2.2 ወታደራዊ መራሕቲ ትግራይ
ወታደራዊ መራሕቲ ትግራይ ኣብ 17 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ዓብዪ ኣስተዋጽኦ ዝነብሮም እዮም። ከም ዕድል ኮይኑ ካብ መስዋእቲን ከቢድ መቑሰልትን ዘምለጡን ከምቲ ናታቶም ኣገላልጻ “ ትርፊ ሂወት ዝነብሩ” ዘለዉን እዮም። እዞም መራሕቲ ብፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ማለሊት ዝተቓነዩን ጥር ትብል ብሔራዊ ስምዒት ዘይፈጠረሎምን እዮም። “እሳተ ጎመራ ኣብ ቤጂንግ ዶ ኣብ መቐለ እንተዝፍንድእ ይሐሽ”? ኣብ ዝብል ክትዕ ካብ መቐለ ንላዕሊ ኣብ ቤጂንግ ዘለዉ ሸቃሎ ስለ ዝበዝሑ ኣብ መቐለ እንተዝፍንድእ ይሐሽ ዝብል ዓይነ-መርፍኡ ዝጠፈኦ ዕላማ ተሓንጊጦም ዝዓበዩ እዮም። እዞም መራሕቲ ሰራዊት እዚኦም ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሮም ሰራዊት ህወሓት ክኾኑ ዝተፈረደሎምን ብዘይካ ውድብ ህወሓት ሓደ ለይቲ ክሓድሩ ዘይመስሎም ብድሕረትን ድንቁርናን ዘጌጹ እዩም። ነዚኦም ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ኢልካ እንተጸዊዕኻዮም ዓብዪ ጸርፊ እዩ ዝመስሎም። ሰራዊት ህወሓት ክበሃሉ ይመርጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መሪሕነት ዋላ እንተጸንሑ እውን ናይ ህዝቢ ስራዊት ኮይኖም ኣይፈልጡን። ዘብዒ ወያናይ ዲሞክራሲ ኮይኖም እዮም ዕድመ ልክዖም ኣሕሊፈምዎ።
ብስንኪ ስእነት ውሑሉል ብሔራዊ መሪሕነት ኣብ 2013 ዓ/ም ትግራይ ዘጋጠማ ልፍንታዊ ወራር ንምምካት ብሔራዊ ወነ ዝዓጠቐ መንእሰይ ሒዞም ትግራይ ኣለናልኪ በሉ። ናይ ኣቦ ንመን ንሃቡ ከም ዝበሃል ድማ ሕሩራት ብሔራዉያን ንምዃን ፈተኑ። እንኳዕ ንሕና ናሃለና እዚ ኩነታት ተፈጠር ብምባል ድማ ፎኪሮም። መንእስይ ትግራይ ድማ ኣታ ሐዚስ ናብ ልቦም ግዲ ተመሊሶም፣ ትግራይ ክድንሕዋ ንስሃ ኣትዮም ኢሉ ወኒኡ ኣላዓዒሉ ናብ ቃልሲ ዉሒዙ። በዚ መሰረት ድማ መቐለ ሓዊሱ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ኣብ ኣርባዕተ ወርሒ ዘይመልእ ግዜ ካብ ወረርቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ሻዓብያን ኣምሓራን ነጻ ኣውጺአምዎ። እዚ ኩሉ እንትግበር ግደ ፖለቲካዊ ሓላፍነት ህወሓት ዳርጋ ዜሮ ኔሩ ምባል ይከአል። ፖለቲካኛታት ህወሓት ብዕድመን ካልኦት ሕማማትን ዝተጓሳቖሉ ስለ ዝነበሩ ኣሸንኳይ ነቲ ቃልሲ ኣወንታዊ ግደ ክህልዎም ሽኽሚ መናእሰይ ተጋደልቲ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ኮይኖም እዮም ሓግዮም። ድሕሪ ታሪኻዊ ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ካብ ሙርኮን ሞትን ዘምለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ብቃሬዛ ናብ መቐለ ተመሊሶም እዮም። እቲ ኲናት ብህዝቢ ትግራይን ደቁን ተመሪሑ ኣብዚ ደረጃ ብምብጽሑ ህወሓት ኣይተሓጎሱን። ነዚ ንምቅልባስ ድማ ህወሓት ከም መንግስቲ ስትራቴጂክ መሪሕነት ብምሃብ እቲ ዝነበረ ጦርነት ኣብዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ክብጽሕ ከም ዝገበሩ ብኹለን ዝእዝዝወን ሚድያታት ክመሓላለፍ ጌሮም እዮም። እቶም ላዕለዎት ወታደራዊ መራሕቲ ድማ ግደ መናእስየን ህዝቢ ትግራይን ሸምጢጦምን ኪሒዶምን ኣብ መስኮት ቴሊቪዥን ወጽዮም “ መራሕቲ ህወሓት መንግስቲ ኮይኖም እቲ ኲናት መሪሐምዎ እዮም” በሉ። ድርኡ እውን ካብ ሃመማ መዓር ምጽባይ እዩ ኔሩ። በዚ ዝተቐየመ ጅግና ሰራዊት ትግራይን ፖለቲካዊ ሊሒቃንን ድማ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ወታደራዊ መራሕቱን ሕኒን በሉ። ሀወሓትን ወታደራዊ መራሕቲን ድማ እዚ ኣጋጢምዎም ዘሎ ሓጓፍ ንምምካት ኢድን ጓንትን ኮኑ። በዚ ዝተናደደ ሕሩር ትግራዋይ ድማ ነዞም ወታደራዊ መራሕቲ “ ባህላዊ ጀነራላት” ብዝብል ሽም ጸወዖም። ምኩት ኔርካ ወጠጦ ኣይግበርካ ዝበሃል ከምዚ ዓይነት ዉርደት እንተጋጥም እዩ። ንሶም እዉን ባህላዉያን ተባሂልና ኢሎም ሓፍ በጠቕ በሉ። ዘይምፍላጦም እምበር በቲ ግብሮምስ እቲ ስም ንሱ እዉን ክበዝሖም እዩ። ውድበይ ህወሓት መንግስተይ ህወሓት ንዝብል ናይ ሰራዊት መራሒ ዘመናዊ ወታደር ኢልካ ክትጽዉዖ ትኽክል ኣይኮነን። ኣብ ናይ ሓደ ውድብ እኼባ ን ክልተ ወርሒ ዝእከብ ናይ ሰራዊት መራሒ ዘመናዊ ወታደር ኢልካ ክትጽዉዖ ምናልባት ብታሪኽ እዉን ከሕትተካ ይኽእል እዩ። “ኮርን ልዕሊኡን” ብዝብል ዓይነቱ ዘይፍለጥ ወታደራዊ መሓዉር ተጠቂሞም በዓል 13 ናይ ኣቋም መግልጺ ኣዉጺኦም ነቲ ጉባኤ ዝገበረ ህወሓት ኢና ንድግፍ ዝብል ናይ ሰራዊት መራሒ ዘመናዊ ወታደር ካብ ትብሎ “ዕጡቕ ካድረ” ክትብሎ ይቐልል። ናይ መብዛሕቲኦም መራሕቲ ስራዊት ትግራይ ብፍላይ ድማ “ ኮርን ልዕሊኡን” ድንቁርና፣ ሱሱዕነት፣ ጭካነን ዘይመትከላዉነትን ኣብዚ ጽሑፍ ዘርዚርካ ዝዉዳእ ኣይኮነን። ግዜ ሓልዩ ኩሉ ክወጽእ እዩ።
ወታሃደርነት ዝተኸበረ ሞያ እዩ። ኮይንኻ ምርካብ ድማ ወናኒ እቲ ሞያ ክትኮን ይገብረካ። በዚ ዝተናደዱ ኣፈ ጮሌታት እቲ ስርዓት ድማ እኽለ ጀነራል ኣብ ታይዶኾን ዝበሃል ዓዲን ዩኒቨርሲቲን ወታደራዊ ሳይነስ ሰልጢኑን ኣሰልጢኑን እዩ ክብሉ ክህዉትቱ ይዉዕሉ ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኦም ባህላዊ ዘበሎም ዘሎ ምክንያት ዘይምፍላጦም ድማ ብጣዕሚ መሕዘኒ ኮይኑ ትረኽቦ። ሓደ በዓል ሞያ መምህር ይኹን ሓኪም፣ ወታደር ይኹን መሃንዲስ ናይ ህዝቢ ጥቕሚ ንጎኒ ብምግዳፍ ኣብ ናይ ባዕሉን ይኹን ጉጅለኣዊ ጥቕሚ ዝዋፈር እነተኮይኑ ሓቀኛን ንህዝቡ ዝሓልን ክትብሎ ኣይትኽእልን።
ከም ኣጸዋዉዓ ግራምሺ ዝተብሃለ ጣልያናዊ ከምዚኦም ዓይነት ሰብ ሞያታት ኣሰላልፋ ዓለማዊ ኩነታት ተሎ ዘይርድኡን ንለውጢ ተቓወምትን እዮም። ሊሂቃን/ሙሁራን ዘልማድ (traditional elite/intellectual) ኢሉ ድማ ይጽዉዖም። እቲ ዝሕሽከርዎ መንግስቲ ኣብ ሓደጋ እንተወዲቑ ብዘይ ንሱ ሓንቲ ለይቲ ዝሓድሩ ዘይመስሎምን ምድረ ሰማይ ዝፅልምቶምን እዮም ይብሎም። በዚ መሰረት ድማ ዓንቀፍቲ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ባህላዊን መሰረታዊን መጠናዊን ለዉጥታት ኮይኖም ይርከቡ ይብል።መብዛቲኦም መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ድማ ቀንዲ ኣብነት ናይዚ ሕማም እዮም።
ስትሬንጅ ዝተብሃለ ጸሓፊ ብ 1998 ስታራተጂክ መትከላት ኲናት ኣብ ዝብል መጽሓፉ ከም ዝገለጾ ስለ ኲናት ክንትንትን ከለና ስለ ዓብዪ “W” ን ንእሽተይ “w” ጠንቂቕና ክንፈልጥ ኣለና ይብል። War versus war ንማለት እዩ። ዓብዪ ፊደል “ W” (capital “ W”)- ክብል ከሎ ንላዕለዎት ፖለቲካውን ወታደራዊ ሓለፍቲ ዝምልከት እዩ ኢሉ እዩ ዘቐምጦ። እዞም ሓለፍቲ ስራሕቶም ብኣግባቡን ብዝተጸነዐን መንገዲ ዝፍጽሙ እንተኮይኖም እቲ ኲናት ንከተሸንፍ ቀሊል ይገብሮ። እዞም ላዕለዎት ናይ ፖለቲካን ወታደራዊ ሓለፍቲን ብዛዕባ ዓቕሚን ድኽመትን ስራዊቶምን ጸላኢን ዝፈልጡ፣ ዘለዎም ዲፕሎማሲያዉን ፖለቲካዉን ድጋፍ ዝፈልጡ፣ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ዓዶምን ናይ ጸላኢ ዓዲን እኹል ሓበሬታ ዝሓዙ ክኾኑ ኣለዎም እዩ ዝብል። ከም ናቱ ኣገላልጻ ኣብ እዋን ኲናት ፖለቲካ ንፖለቲከኛታት ጥራሕ ዝግደፍ ኣይኮነን። ላዕለዎት ወታደራዊ ሓለፍቲ ስለ እቲ ዝመርሕዎ ኲናት ዘለዎም ኩሉ ዓይነት ድጋፍ ክፈልጡ ኣለዎም። እዚ ድማ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኩነታት ብዕሊ ይገልጾ። ድሕሪ መልሲ ካብ ሰሜን ሽዋ ብዙሓት ወታደራዊ ሓለፍቲ ትግራይ “ ኣብቲ ዉግእ ዋላ እንተተዓወትና እቲ ፖለቲካ ግን ንድሕሪት ይጎተና ኔሩ” ዝብል ኣይብላዕ ኣይስተ ዘረባ ይዛረቡ ኔሮም። እዚ ድማ ናይ ስትሬንጅ ናይ ኲናት ስትራተጂ ዉድቂ ይገብሮ። ወታደራዊ ሳይንቲስት ስለ ዘይኮኑ እዩ። ኣብ ኲናት እዋን ላዕለዎት ወታደራዊ መራሕቲ ኣብ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያዊ ስራሕትን ክነጥፋ ክኽእሉ ኣለዎም እዩ ዝብል። ኣብ እዋን ኲናት ሓደ ወታደራዊ ጀነራል ፕረዚዳንት ወይ ድማ ጠቕላይ ሚኒስተር ናይታ ዓዲ እዩ ይብል። እዚ ብዘይ ምግባሮም ድማ ላዕለዎት ወታደራዊ መራሕቲ ትግራይ ናይ ወታድራዊ ብቕዓቶም ኣከራኻሪ ኽኾን ይገብሮ።
ንእሽተይ ፊድል “w” ድማ ብዛዕባ ዉግእ ኣመራርሓ ታሕተዎት ኮማንደራት ይትንትን። እዞም ኮማንደራት እዚኦም ብላዕለዎት ኣዘዝቶም ብዝተወሃቦም መምርሒ መሰረት ዉግእ ኣሸኒፍካ ምዉጻእ እዩ። ላዕለዎት ፖለቲካዊን ወታደራዊን መራሕቲ ስራሕቶም ብኣግባቡ እንድሕር ፈጺሞም ታሕተዎት ሓለፍቲ ኣሃዱታት እቲ ዉግእ ከሸንፋ ብጣዕሚ ይቀሎም። እቶም ላዕለዎት ፖለቲካዉን ወታደራዉን መራሕቲ እቲ ኲናት ብዝተጸነዐ መንገዲ እንድሕር ዘይመሪሐምዎ ዋላዃ ኣብ ብዙሓት ዉግኣት ዓወት እንተሓፈሱ ምንም ጥቕሚ ኣይህልዎን ይብል። ሰራዊት ትግራይ ኣብ ወፍሪ ኣሉላ፣ ወፍሪ ኣዴታትን ወፍሪ ጸሓይ ብራቕን መስተንክራዊ ዓወታት ተጎናጺፉ እዩ። ይኹንደኣምበር ኣብ ዉጉእ (battle) ኣሸኒፋ እምበር እቲ ኩናት (war) ከሸንፎ ኣይከአለን። ኲናት ፖለቲካ፣ ዲፕሎማሲ፣ኢኮኖሚ፣ ሚድያን ሎጂስቲክን ካልኦት ዓበይቲ ፓኼጃትን ጠሚሩ ዝሓዘ ዓብዪ ማዕቀፍ እዩ።
እስራኤል ካብ ኣፍ ተጋሩ ሊሒቃን ዘይትጠፍእ ዓዲ እያ። እቱ ሕሩር ትግራዋይ ትግራይ ከም እስራኤል ክትኮነሉ ናይ ዝንተ ዓለም ሕልሙ እዩ። እስራኤል ኣብ ዓለም እቲ ልዑል ዓቕሚ ዝተዓጠቐ ሰራዊት ዝሃነጸት ዓዲ እያ። ሰራዊት እስራኤል ናይ ሓላፍን ተሓላፍን (patron-client relationship) ዓይነት ናይ ስልጣን ኣወቓቅራ የብሉን። “ግበር ኣይትግበር” ዝበሃል ካብ ፍጹም መለኽቲ ዝኾኑ መንግስታት ዝቕዳሕ ናይ ወታደራዊ ዶክትሪን ኣብ እስራኤል ቦታ የብሉን። ኩሉ ነገር ተፈጻሚ ዝኸዉን ካብቲ ጫፍ ወታደራዊ መራሒ እየ ዝብል ክስካብ እቲ እግራኛ መራሒ ክስማዕምዕሉ ከሎ እዩ። በዚ ምክንያት ድማ ካብ 50 ናይ ኣሜሪካ ወታደራት ምዉፋር 5 ናይ እስራኤል ወታደራት ምዉፋር ይኸብድ ዝበሃል። እዙይ ማለት ግን ናይ ኣመሪካ ወታደራዊ መራሕቲ ባህላዉያን እዮም ንምባል ኣይኮነን። ሰራዊት እስራኤል ነጻ ሓሰብቲ (independent thinker) ክኾኑ እምበር ካብ ላዕሊ ብዝመጽእ ቀጢን ትእዛዝ ብዘይ ምንም ሕቶ ተቐቢሎም ንኸተግብሩ ተጌሮም ኣይተሃነጹን።
ኣብ ትግራይ “ ኮርን ልዕሊኡን” ዝበሃሉ ዝጠፈሹ እኽብካብ ኮሚሳራት ህወሓት ዘዉጽኦ መግለጺ በቲ ሓቀኛ ሰራዊት ትግራይ ተቓባልነት ስኢኑ እዩ። እዚ ድማ ኣታ እዚ ሰራዊት እዚ ካብ ኢድ እዞም “ ባህላዉያን ጀነራላትን ኮሚሳራትን ህወሓት” ኣዉጺእኻ ብዘመናዊ ቅዲ እንተዝቕረጽ ኔሩስ መድሕን ኩሉ ውጹዕ ትግራዋይ ምዃኑ ኔሩ ዘብል እዩ። ይኹን ደኣምበር “ ባህላዉያን ጀነራላትን ኮሚሳራትን ህወሓት”ን ህወሓትን ሰራዊት ትግራይ ስግኣት ትግራይ ንኽኾን ፋሕ ብትን ኢሉ ክጠፍእን ሕርግዲግ ይብሉ ኣለዉ። ዕላመኦም ተሳኺዕሎም ዝብተን ሰራዊት እዉን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ስለዚ ኩሉ ስለ ትግራይ የገድሰኒ እዩ ዝብል ትግራዋይ እቲ ካብ ጠቕላላ ጥፍኣት ትግራይ መድሕን ዝኾነ ሰራዊት ትግራይ ካብ ኢድ እዞም ክብሪ ሰብን ክብሪ ትግራዋይነትን ዘይፈልጡ ጉጅለታት ክንድሕኖ ይግባእ። ስራዊት ትግራይ ንዓይ እዉን ይምልከተኒ እዩ ንበል። ከምቲ ዘድሓነና ንሕና እዉን ነድሕኖ ዋልታ ትግራይ ንክኾን ንሓግዞ።
2.3 መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ
ኣስታት 97% ህዝቢ ትግራይ ኣማኒ ኦርቶዶክ ክርስትያን ሃይማኖት ተባሂሉ ይእመን። እዚ ሃይማኖት ንብዙሕ ዘመናት መሳርሒ በትሪ ስልጣን ዝጨበጠ ሓይሊ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።ኣብ ትግራይ ዳርጋ ኣብ ኩሎም ሃይማኖታት ንመንግስቲ ዝሕሽከር መራሒ ሃይማኖት እምበር ንህዝቡ ዝጣበቕ መራሒ ሃይማኖት ክሳብ ሐዚ ኣይተርኣየን። በቲ ዘለዎም መጠኑ ዝሓለፎ ኣፍቅሮተ ቅርሺ ድማ ካብቲ በዓል ሃፍቲ ትግራይ ፈሊኻ ዝረኣዩ ኣይኮኑን። ሕልፍ ዝበሉ ኣምለኽቲ ቅርሺን ስልጣንን እዮም። ሃይማኖት ከም መአከቢ ሃፈቲን መደንዘዚ እቲ ድኻ ማሕበረሰብን እዮም ዝጥቀምሉ። ናይ ህዝቢ ስቃይን መከራን ተረዲኦም ገዛእቲ መደብን ሰብ ግዜን ትግራይ ናብ ልበነኦም ተመሊሶም ህዝቢ ንኸገልግሉ ኣብ ክንዲ ምምዓድን ፅዕንቶ ምሕዳርን እቲ ናይ ጥፍኣት ጉዕዞ ንክቕፅልሉ የበራታትዕዎም ኣለዉ። ንህዝቢ ትግራይ ድማ እዚኩሉ ወሪዱዃ ዘሎ መዓት ናይ እዝጊሄር ቃል ስለ ዘየኽበርካን ዘይፀረኻን እዩ ኢሎም የባጭዉሉ። ብናይ መራሕትኻ ድንቁርና ኣብ ክንዲ ምባል። ህዝብና ድማ ሓቂ መሲልዎ ካብ ዘይምልከቶ ሓጥያትን ጉሕለትን ክነፅህ ክብል ጉልበቱን ግዚኡን ኣብ ምህልላን ፀሎትን የሕልፎ።
ኣብቲ ዘጋጠመና ጽንተታዊ ኲናት ኩሎም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ቅዱስ ኲናት ከም ዝኾነ ቡራኬ ሂበምሉ እዮም። ገሊኦም ድማ ክስካብ ናይ ሰራዊት ድፋዕ ከይዶም እግረኛ ሰራዊት ኣበራታቲዖምን ዘለአለማዊ ጥፍአት ትግራይ ሰቢኾም እዮም። በዚ ተግባሮም ድማ ንዘለኣለም ክሓፍሩን ትግራይ ደቃ ልቢ ኣጥርዮም እቲ ተተሊሙ ዘሎ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት መኪቶም እንትልዓሉ እዞም ኣካላት እዚኦም ካብ ተሓታትነት ኣይከምልጡን። በዚ መነወሪ ተግባሮም ዝሓዘኑ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ድማ ምስ ኣባያተ እምነታት ኢትዮጵያ ዝነበሮም ርክብ በቲኾም ጸኒሖም እዮም። ድሕሪ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ድማ ከም መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና ዝበሉ እቲ ዝነብሮም ርክብ ኣሐዲሶም ርክቦም እንትቕጽሉ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶስ ክርስትና ዝኾኑ ድማ ቅድመ ኩነት ኣቐሚጦም ርክቦም ክቕጽሉ ዋላዃ እንተሓተቱ ብወገን ኢትዮጵያ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶስ ክርስትና እቲ ቅድመ ኩነት ከማልኡ ብዘይምኽኣሎም እቲ ኣፈላላይ ቀጺሉ እዩ። በዚ መሰረት ድማ ናይ ባዕሎም ሲኖዶስን መንበረ ሰላማን መስሪቶም ጳጳሳት እዉን ሸይሞም እዮም። ኣብ ዉሽጢን ደገን ዝርከብ መብዛሕቲኡ ትግራዋይ ድማ ካብ ፖለቲካዊ መራሕቲ ህወሓት ዝሰኣንናዮ ብሃይማኖት መራሕትና ረኺብናዮ ዝብል ናእዳ ገሊጽሎም። ሓደ ሓደ ጳጳሳት ትግራይ ድማ ባህግና ምምስራት ናጻ ሃገር ትግራይ እዩ ኢሎም ኣብ ቅድሚ ምእመኖም ተነሲሆም ፣ ፍትሒ ንነዊሕ እዋን ዝሓረሞ ትግራዋይ ድማ ፍስሃ ወ ደስታ መልኢምሉ እዮም።
ኮይኑ ግና ሓደ ሓደ ጳጳሳት ትግራይ ኣብ ክንዲ መከራ ህዝቦም ተረዲኦም ነቲ ቀንዲ መልዓሊ እቲ ጭንቅን መከራን ዝኾነ ስርዓት ይኣኽለካ ዝብሉ ፍንጫላት ህወሓት ንኸተዓርቁ ለይትን ቀትርን ድቃስ ስኢኖም ይሓድሩ ኣለዉ። መራሕቲ ክልቲአን ህወሓት ዝኾኑ ደብረጽዮን ገ/ሚካኣኤልን ጌታቸዉ ረዳን ብምጭብባጥ ጸገም ትግራይ ዝፍታሕ መሲልዎም ክልቲኦም መራሕቲ ከጨባቡጡን ሓቢሮም ቡና ከስትዩን ምእመኖም ረሲዖም ቤተ መቕደሶም ቤት ጽሕፈት ህወሓትን ደጀን ቢሮን ጌሮም ይርከቡ። በዚ ምክንያት ድማ ቅድሚ ሐዚ ተስፋ ጌርሎም ዝነበረ ህዝቢ ብዝንቡዕን ዘይተጸነዐ ኣካይዳን እዞም ሃይማኖት መራሕቲ ሚሒር ጉህዩ ይርከብ። ህወሓት ምስ ህዝቢ ትግራይ ዝተጻለአን ብህዝቢ ትግራይ ዝተፈንፈነን ውድብ ምዃኑ ክርድኡ ኣይከአሉን። እቲ ምስንጣቕ ህወሓት ዉጻኢት ንብዙሕ ዓመታት ተዋህሊሉ ዝጸነሐ ስእነት ስታራቴጂካዊ መሪሕነት ምዃኑ ፍጹም ክርደኦም ኣይከአለን። ንጽንተት ትግራይ ኣኻኣሊ ኩነታት ዝፈጠረ ህወሓት እቲ እንኮ ፖለቲካዊ ውድብ ትግራይ እዩ ኢሎም ንኻልኦት ውድባት ትግራይ ከንቋሸሹ ብድፍረት ተራኣዩም እዮም።
2.4 ተናሕናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ
እዚ ጽሑፍ ብሔራዉያን ውድባት ተባሂለን ኣብ ዝፍለጣ ተናሕናሕቲ ውድባት ትኹረት ዝግብር እዩ። ናይ ጸላኢ መጋበርያ ንምዃን ዝወስኑ ሰባት ዝመስረትወን ሓልፍነቱ ዝተወስነ ናይ ግሊ ኩባንያ መልክዕ ዘለዎን ውድባት ኣካል እዚ ጽሑፍ ኣይኮናን። ብላዕለወት መራሕቲ ህወሓት ንስለላን ካሊእ እኩይ ዕላማን ሓሲቦም ብተመወልቶም ጌሮም ዝመስረትወን ውድባት እዉን ከምኡ።
ብምኽንያት ኣምባገነናዊ ስርዓት ህወሓት ኣብ ትግራይ ፖለቲካን ናይ ፖለቲካ ስራሕቲን ንህወሓት ጥራሕ ዝምልከት ዓውዲ ተጌሩ ይውሰድ ኔሩ። ካብ ማርክሲስት ሌኒኒስት ስነ ሓሳብ ተላዒሉ ምልክነት ሓደ መሪሕ ውድብ ዘሰጉም ህወሓት፤ ፖለቲካ ትግራይ ንበይኑ ብሒቱ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ ንልዕሊ ፍርቂ ክ/ዘመን ዝፀንሐ እንትኸውን፤ ክብሪ ሓሳብን ክብሪ ሰብን ዘተኣናግድ ባህሊን ልምድን ዘለዎ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ስልጣን ዘመኖም ድማ መራሕቲ ህወሓት ብፍጹም መላኽነቶምን ጸረ ዲሞክራሲያዉነቶምን ኣብ ታርኽ ዓለም ዝዓበየ ደረጃ እናሓዙ ጸኒሖም እዮም።
ናይ ትግራይ ፖለትካ ናይ በይነይ እዩ ኢሉ ዝኣምን ህወሓት ኣብ ኣባላትን ኣመራርሓን ውድብ ዓረና ዘብጽሖ ዝነበረ ማእሰርቲ፣ ቅትለት፣ መግረፍቲን መጭወይቲን ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ብብርሃን ፍጥነት ውድቀት ፖለቲካ ትግራይ ኣጨኒቅዎም መድሕን ህዝቦም ክኾኑ ግዱሳት ተጋሩ ዝመስረትዎን ብሔራዉያን ውድባት ትግራይ ከይቀረየ ኣብ ኣባላቶምን ቤተሰብ ኣባላቶምን ማእሰርቲ፣ ቅትለት፣ መግረፍቲን መጭወይቲን እናጋጠመ ጸኒሑን ይርከብን። ከም ኣብነት እንተወሲድና ድማ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓን ኣባላትን ናጽነት ኣብ ዓብዪ ዓዲን ሰሜናዊ ምዕራብን መጭወይቲ፣ መግረፍቲን መስካሕከሒ ቅትለትን ፈጺሞም
ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ብሄራዉያን ተናሕናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኩሎም ውድቀት ትግራይ ኣደንጊጽዎም ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተመስረቱ ውድባት እዮም ዝብል እምነት ኣለኒ። ዳርጋ መብዛሕቲኦም መራሕቲን ኣባላትን ብሔራዉያን ተናሕናሕቲ ውድባት ትግራይ ስርዓት ህወሓት ኣብቂዑ እዩ ዝብል እምነት ዘለዎም ይመስለኒ። ሞትን ሕማምን ህወሓት ሃንደበታዊ ከይኮነስ ንብዙሕ ዓመታት እናተኣከበ ዝመጸ ዘይድሕን ሕማማ እዩ ኔሩ። ከምስል ኣለኹ ይብል ኔሩ እምበር ኣብ ኣፍ ሞትን ዕርበትን ዝበጸሐሉ ድሕሪ ሞት መለስ ዜናዊ እዩ ኔሩ። ፕሮፌስር ክላፋም ዝተብሃለ ጸሓፊ ንመለስ ዜናዊ “ ናይ ኢህወደግ ፈላስፋ ንጉስ” / “philosopher king of EPRDF” ኢሉ ይገልጾ ኔሩ። ደቂቀ መለስን ህወሓትን ድማ “ስሙይ መራሒና” ፣ “ኣብ ሓደ ክፍለዘመን ጥራሕ ክፍጠር ዝኽእል ሙጡቕ ስብ”፣ “ናይ ዓለምና በዓል በሊሕ ኣእምሮ/ world class mind” እናበሉ ሕብረተሰብና ኣሀዉቲተምዎ እዮም። ዕላማ እዚ ጽሑፍ መለስ ዜናዊ ንምግምጋም ኣይኮነን። መለስ ዜናዊ ማላት ግን ትካል ከይሃነጸ ናይ ባዕሉ ስብእና ንምህናጽ ንርብዒ ክፍለ ዘበን ዝነገስን ልምዓት ኢትዮጵያ እምበር ልምዓት ትግራይ ዘይምልከቶ መራሒ እዩ ኔሩ ኢልካ ምግላጽ ይከኣል።
ብወገን ተናሕናሕቲ ብሔራዉያን ውድባት እንተሪኢና ድማ በደል እዚ ጸረ ትግራዋይንት ዝሰረተ መሪሕነት ህወሓት ኣሐሪንዎም ሓደ ብሔራዊ ሓይሊ ኣብ ክንዲ ዝፈጥሩን ተስፋ ህዝቦም ኣብ ክንዲ ዝኾኑን ኣብ ጋሃን ምሃን ይርከቡ። በዚ ምክንያት ድማ ኣብ ናይ ውድብ ናጽነት “ፖሊሲ ባዶ ባዶ” ተባሂሉ ኣብ ዝተጽሓፈ መወጻጽኦ ትግራይ ከምዚ ይብል
እዘን ተናሕነሕቲ ውድባት ዝበሃላ ብህዝቢ ገና ዓቅሚ ከም ዘይብለን ተገይረን ዝረኣያ እየን፡፡ ሓደ ስሙር ብሄራዊ ሓይሊ ክኾናስ ይትረፍ ወቕታዊ ዕድላት ብኣግባቡ ብዘይምጥቃም፤ ኣጀንዳ ብምምካንን ንድሕሪት ብምጉታትን፤ ከምኡ እውን ኣነነት ዝንፀባረቖ ውሽጣዊን ጎናዊን ተኽኒ ዓብሊልዎን ነቲ ዉጹዕ ህዝበን ኣለናልካ ክብላ ኣይከኣላን፡፡ ብናይ ባዕለን ድኽመትን ኢ-ዴሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ተወሲኽዎን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ድጋፍ ክረኽባ ‘ውን ኣይከኣላን፡፡
እቲ ብሔራዊ ሓይሊ ክመርሑ ተስፋ ዝተገብረሎምን ኣብ ማሕበረሰብ ሰፊሕ ተቓባልነት ረኺቦም ዝነበሩ መናእስይ ተጋሩ ድማ ገሊኦም በቲ ጫፍ ዝወጸ ስሰዐ ስልጣን መሪሕነት ህወሓት ተስፋ ቆሪጾም ናብ ናይ ዉልቀ ሂወቶም ከይዶም ገለ ገሊኦም ድማ ብናይ ህወሓት ፖለቲካዊ ሽርሒ ተታሊሎም ኣንጻር እተን ዝመስረትዎን ብሔራዉያን ውድባት ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ይመስሉ።
እቲ ጸገም ነዘን ውድባት ጥራሕ ዝግደፍ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዝዘረኦ እዩ ዝዓጽድ ዘሎ። እዘን ውድባት ጠንካራ ውድባት ኮይነን ንክወጻ ናይ ህዝቢ ትግራይ ኩሉ መዳያዊ ድጋፍ የድልየን እዩ። ብናተይ እምነት እዞም ተናሕናሕቲ ብሔራዉያን ውድባት ትግራይ ክስካብ ሐዚ ብዝነብሮም ምንቅስቃስ እንትግምገም ዕድል እንተረኺቦም ናይ እማን መድሕን ትግራይ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ዝኣክል ውድብ ናጽነት ኣብ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበረ ኩንታት እንትግምገም ትግራይ ብታሪኻዊ ጸላእታ ከበባ ይግበረላ ከም ዘሎ፣ መንግስቲ ብልጽግና ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዲፕሎማሲያዊ፣ ፖለቲካዊን ወታደራዊን ዓቕምታቱ እናሓየለ ከም ዝርከብ ዝገልጽ ገምጋም ዝነበሮ ውድብ እዩ። ብኣንጻሩ ገምጋም ህወሓት ድማ መንግስቲ ብልጽግና ይዳኸም ከም ዘሎን እቲ ኲናት እንተተጀሚሩ ድማ “ ኣብ ኣዲስ ኣባባ ጀሚርና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክንዉድኦ ኢና” ዝብል ገምጋም ኔርዎም።
መቐለን ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ሰራዊት ትግራይ ምስ ተቖጻጸርን ድማ ኩለን ብሄራዉያን ውድባት ሽግግር ካዉንስል (transitional council) ን ሽግግር መንግስቲን ( transitional government) ንኽጣየሽ ብተደጋጋሚ ሓቲቶም ኔሮም እዮም። ይኹንዳኣምበር “ሩባ እናተሻገርካ ፈረስ ኣይቕየርን” ዝብል ትዕቢት ዝተመለኦ ግብረ መልሲ ካብቶም ሰብ ግዜ ተዋሂብዎም። ካብቲ ዝተብሃለ ኣይተረፈን ኣብ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ተናሕናሕቲ ብሔራዉያን ውድባት ዝጠልብዎ ዝነበሩ እዩ ኮይኑ። መንግስቲ ፈሪሱ ግዚያዊ ምምሕዳር ክጣየሽ እዩ ተጌሩ።
ተናሕናሕቲ ብሔራዉያን ውድባት ትግራይ ንትግራይ ዝኸዉን ሓሳብ ሃሊይዎም ግን ሓሳባቶም ኣብ ህዝቢ ከይሸጡን ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣብ ዝተረኸበ ኣጋጣሚ ሓሳባቶም ከይሽምተሎምን ብገዛኢ መደብ ህወሓት ማዕቐብ (sanction) ዝተቐመጠሎም ሓይሊታት ኮይኖም እዮም ጸኒሖም። ውድብ ናጽነት እቶም ፍንጫላት ህወሓትን ኮሚሳራቶምን ዝኸድዎ ዘለዉ ናይ ኣዕናዊ ተግባር ንታ ብሔር ሒዝዋ ከይጠፋኡ ብምስጋእ “ ፖሊሲ 00 ወይ ድማ ፖሊሲ ሕድገት” ዝብል ለበዋ ኣብ ቀረባ ኣቕሪቡ ኔሩ እዩ። ዋና ሓሳብ እዚ “ ፖሊሲ 00 ወይ ድማ ፖሊሲ ሕድገት” ድማ
ትግራይ ንድቅሚት እምበር ንድሕሪት ዘይርኢ ለውጢ ክትክተል ኣለዋ፡፡ ከይድን ውፂኢትን እዚ ለውጢ ግዳይ ኣልባ ክኸውን አለዎ፡፡ ኣብ ከይዲ እዚ ለውጢ ይኹን ድሕሪ እዚ ለውጢ፡ ቅድሚ ለውጢ በቲ ዝነበረ ስርዓት ዝተፈፀመ ዝኾነ ይኹን ስሕተት ይኹን ገበን ንሕልናን ታሪኽን ገዲፍና ምሉእ ብሙሉእ ካብ ተሓታትነት ዘድሕን ውሕስነት ዝህብን ክኸውን ይግባእ፡፡
እዚ ብውድብ ናጽነት ዝቐረበ መዋጻጽኦ ብዘይ ተሓታትነት ፍትሒ ምርግጋጽ ይከአል ዶ? ዝብል ሕቶ ከልዕል ናይ ግድን እዩ። ንምንታይ ገበን ዘጻሪ ኮምሽን ተመስሪቱ ናይ ወንጀል ክብደትን ቅለትን ዘይፍለጥ ዝብል ሕቶ እንተተላዒሉ እዉን ቅኑዕ ሕቶ እዩ። ሕማቕ ናይ ዲሞክራሲ ባህልን ወንጀል ዘበረታትዕን (culture of impunity) ‘ዶ ኣይኸዉንን? ዝብል ሕቶ እዉን ቅኑዕ ሕቶ እዩ። ይኹንዳኣምበር ብዘይ ሕድገት መጻኢና ክጽብቕ ምግባር ይከኣል ዶ? ዝብል ሕቶ እዉን መልሲ ክረክብ ኣለዎ። “there is no Future without forgiveness” ከም ዝበሃል ማለት እዩ። ኣብ ትግራይ ነጻ ናይ ሕጊን ፍትሒን ትካላት ኔሩና ኣይፈልጥን። በቲ ሓዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ድማ ጽንተት ዝተፈጸመልና፣ ልዕሊ 40% ግዝኣት ትግራይ ካብ ኢድ ወረርቲ ዘየምለስና፣ ብኣማኢቲ ኣሻሓት ዝቑጸር ዝተመዛበለ ህዝብና ድማ ናብ መረበቱ ዘይመለስና፣ ቅቡሉነት ዘለዎ መንግስቲ ገና ዘይመስረትናን ህዝቢ ኢና። ብሓጺር ኣጸዋዉዓ ትግራይ ዝወደቐት ዓዲ (collapsed state) ኢልካ ምጽዋዕ ይከአል። ኣብ ደንደስ ጥፋኣት ዝርከብ ማሕበረስብ ሕቶ ተሓታትነት ንታሪኽን ንሞራልን ገዲፋ ብሔር ንምድሓን ሕድገት ክገብር ኣለዎ። ሓዚ እዉን መድሕን ትግራይ ካብ እቲ ብውድብ ናጽነት ትግራይ ዝቐረበ “ ፖሊሲ 00 ወይ ድማ ፖሊሲ ሕድገት” ወጻኢ ክኾን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት የብለየን።
ሃይማኖት መራሕቲ፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ሙሁራንን ዲያስፖራን ተናሕናሕቲ ውድባት ጠንኪረን ንክወጻ ናይ ባዕሎም እጃም ክጻወቱ ይግባእ ኔሩ። ይኹን ዳኣምበር ነዞም ኣካላት እዚኦም ፖለቲካ ውድብ ማለት ህወሓት ጥራሕ እዩ ዝመስሎም። እቶም ካልኦት ተናሕናሕቲ ውድባት ልክዕ ከም ህወሓት ሓገዝ ዘድልዮም ኣይመስሎምን። ብዝኾነ ኣጋጣሚ ምስ እዞም ተናሕናሕቲ ውድባት እንተተራእዮም ስብ ሃፍቲ ሃፍቲ-ንብረቶም ኣብ ሓንቲ ለይቲ ተወሪሱ ዝሓድር ይመስሎም፣ መራሕቲ ሃይማኖት ቅሽነቶም ፈሪሱ ካብ ቤተ መቕደስ ዝባረሩ ይመሰሎም፣ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩ ድማ መንበሪ ፍቓዶም ተመንጢሎምን ካብታ ዝነብሩላ ዓዲ ዝጥረዙ እዩ ዝመስሎም። እዚ ድሑር ኣተሓሳስባ ሱር ክሰድድ ዝገበረ ድማ ናይ ሓምሳ ዓመት ፖሊሲ ህወሓት እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ድርኹኺት ሞት ዘሎ ህወሓትን ኣተሓሳስባ ህወሓትን ምቅላስ እቲ ዝዓብየ ጽድቂ ምዃኑ ኣሚንና ኩሉ ዘይተወደበን ዝተወደበን ትግራዋይ ክቃለስ ይግበኦ። ምክንያቱ ከምዚ ዓይነት ፖሊቲካ ባህሊ ዝተሃነጸላ ዓዲ ንስልጣን ኢሎም ብዝተወደቡ ፖሊቲካዊ ሓይሊታት ጥራሕ ዝልወጥ ኣይኮነን።
2.5 ማሕበረሰብ ኣንቃሕቲ/Activists
እዚ ዘለናዮ ዘመን ድሕሪ ዌስትፋልያን (post Westphalian era ) ዘመን ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዩ። መንግስቲ ገባሪ ሓዳጊ ሓደ ዓዲ ዝኾነሉ ግዜ ኣብቂዑ እዩ። ንናይ መንግስቲ ስልጣን ዝቆጻጸሩ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝተፈጠረሉ ግዜ እዩ። ኣንቃሕቲ ድማ ሓደ ካብኣቶም እዮም። ኣንቃሕቲ ብማሕበራዊ ሚድያ ይኹን ብኻሊእ ናይ ህዝቢ መራኸቢ መሳርሒታት ተጠቂሞም ህዝቦም ዘለዓዕሉ፣ ኣፍልጦ ማሕበረሰብ ንኽዉስኽ ዝጽዕሩ፣ ኣብ መንግስትን ካልኦት ዓለም ለኻዊ ሓይሊታት ጽዕንቶ ዘሕድሩን ንድሕንነት ሓደ ህዝቦም ዝዋደቑን እዮም። ምስ ካልኦት ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሲቪል ማሕበረስብን ብምጥማር ኣብ ህዝቦም መሰረታዊ ለዉጢ ንክመጽእ ይጽዕሩ።
ኣብ ትግራይ ብስም ኣንቃሕቲ ዝጽዉዑ ግለ ሰባት ጸገም ህዝቦም ኣብ ምፍታሕ ዓርሶም ዘወፈዮ እዮም ኢልካ ንምግላጽ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። መብዛሕቲኦም ድማ ኣብ ፍንጫላት ህወሓት ተሸጒጦም ብዝኽፈሎም ዉህብቶ ዝትንፍሱ ናይ ባዕሎም ሓሳብ ዘይብሎም እዮም። ገለ ገሊኦም ድማ ካብቶም ካልኦት መንቃሕቲ ዝሐሽና ኢና ንክብሉን ዋጋ ዕዳጋኦም ንኽዉስኽን ዪቲብ ( Youtube) ከፊቶም ትግራይ ናይ ጦርነት ሜዳ ጌሮምዋ ዝዉዕሉ እዮም። ሰራዊት ኣዋፊሮም የዋግኡ፣ ትግራዋይ ብከባቢ ንክካፋፍል ኣጸያፊ ነገራት ይሰርሑ፣ ንለአኽቶም ዝፍነዎሎም ዝኾነ ይኹን ሕማቕ ገምጋም ይምክቱን ተቐባልነት ከይረክብ ብሓይሊ ገንዘብ ይድልሉን። ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣንቃሕቲ ብበዝሒ ኣብ ክልቲኡ ፍንጫላት ህወሓት ዝርከቡ እኳ ኣንተኾኑ ባህላዉያን ጀነራላት ህወሓትን ባህላዉያን ሰብ ሃፍቲ ትግራይን እዉን ናይ ባዕሎም ዘማሓድርዎም ኣንቃሕቲ ኣለዉዎም እዮም። መብዛህቲኦም ናይ ትግራይ ኣንቃሕቲ ግዕዝይና ንኽቅጽል፣ ፍትሒ ንኽጉዕጸጽ፣ ጸረ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንኽቕጽልን መከራ ህዝቢ ንኽናዋሕን ለይትን ቀትርን ዝሰርሑ ኣካላት እዮም ኢልካ ምዉሳድ ይከአል። እዚኦም እዉን ከምቶም ባህላዊ ሃፋትም፣ ባህላዊ ሃይማኖት መራሕቲን ወታደራዊ መራሕቲን ባህላዉያን ኣንቃሕቲ ተባሂሎም ክጽዉዑ ዝግበኦም እዮም።
2.6 “ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ’
መን እዩ ሃፍታም? ዝብል ሓደ በቲ ናይ ስነ ቁጠባ በዓል ሞያታት ዝጥቀምሉ መጠናዊ መለክዒ/income እንተወሲድና ኣብ ትግራይ እምበርከ ሃፍታም ኣሎዶ? ዝብል ሕቶ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ዝኾነ ኮይኑ ሃፍቲ ኣንጻራዊ ስለ ዝኾነ ኣብ ትግራይ እዉን ስለ ሰብ ሃፍቲ ክነዉግዕ ንቡር ይገብሮ። ሓደ ሰብ ሃፍታም ከብሎ ዝኽእል ብምህዞን/invention ኣብ ዘሎ ነገር ተወሳኺ ፈጠራታት ብምዉሳኽን/innovation እተዋህልሎ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ክህሊ ከሎ እዩ። ኣብ ትግራይ ግን ኣብ research and development ሃፍቲ ኣፍሲሱ ዝተለወጠን ጸገም ማሕበረሰብ ዝለወጠን በዓል ሃፍቲ የለን እንተበልኩ ምግናን ኣይክኸዉንን። መብዛሕቲኦም ስብ ሃፍቲ ምስ ስብስልጣን መንግስቲ ተጎዛጒዞም ናይ ሕኸኸኒ ክሓከካ (itch my back and I will itch yours) ስራሕቲታታ ብምፍጻም ቅርሺ ዝኣከቡ እዮም። ገሊኦም ድማ ናይቲ ድኹም መንግስቲ ናይ መሬት ፖሊሲ ተጠቂሞም መሬት ህዝቢ እናመንጠሉ ሃፍቲ ዝኣከቡ እዮም። ገለ ገሊኦም መንእሰይ ትግራይ ደሊሎም ናብ ካሊእ ዓዲ ሕጋዊ ብዘይኮነ መንገዲ ብምዝዉዋር ቅርሺ ዝኣከቡ እዮም። ሓደ ሓዲኦም ድማ ኣብ ፋብሪካታት ትእምት ብዝግበርሎም ዘይተአደነ ሕርጎት ዝሃፍተሙ እዮም። ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝነበረ ናይ ወርቂ ወረራ ንሰብ ሃፍቲ ሽሻይ ኮይንሎም እዩ። ኣብዘን ኩለን መንገዲታት ሃፋትም ተጋሩ ይዕበ ይንእስ ናይ ሰበ ስልጣናት ህወሓት ኢደ ኣለዎ። በዚ ኩሉ ነዉራም ስራሕቶምን ድማ ልክዕ ከምቶም ሊሂቃን ትግራይ “ባህላዉያን ሰብ ሃፍቲ” ትግራይ ኢልካ ክትጽዉዖም ትግደደ።
ህወሓት ነዞም ባህላዉያን ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ቀንዲ ናይ መኸተ ሓይልታት ኢሉ እዩ ዘቐምጦም። ህዝቢ ኣብ ምድንቋርን ናበራ ድኻ ማሕበረሰብ ኣብ ምጉስቋልን ዓብዪ ግደ ኣናተጻወቱ ዝርከቡ ኣዮም። ብጭቆናን ወፅዓን ማሕበርሰቦም ዝሕጎሱ ቀደስትን ኣወደስትን እቲ ገዛኢ መደብ እዮም። ንካድረን ሓዉ ካድረን እቲ ገዛኢ መደብ ንምሕጓስ ዘይፍንቅልዎ እምንን ዘይፍሕርዎ ጉድጓድን የለን ክበሃል ይከኣል። ቀንዲ ዕላመኦም ምስ አመራርሓን ሰብ ግዜን ገዛኢ መደብ ተሻሪኾም ሃፍትን ንዋትን ህዝቢ ምብዝባዝ እዩ። ብማንካ ሂቦም ብኸፈር ጥቕሚ ዝሓቱ ክፋል ማሕበረሰብ እዮም። ልክዕ ከም እቲ ፀላኢ ድፋዕ ሒዙ ዝዋገኣካ እዚኦም እዉን ድፋዕ ኲዓቶም ኣንፃር ህዝቦም ዝዋግኡ ዝነበሩን ዘለዉን እዮም ምባል ይከኣል።
ከም ዝፍለጥ ኣብ ትግራይ ብፈጠራን ምህዞን ዝሃፍተመ በዓል ሃብቲ ኣሎ ኢልካ ንምቕማጥ ብጣዕሚ ኣፀጋሚ እዩ። መብዛሕቲኦም ሰብ ሃፈቲ ኢና በሃለቲ ኣብ መሓዉር ገዛኢ መደብ ተፀጊዕም ሃፍቲ ህዝብን መንግስቲን ዝምጥምጡ ቆራዲድ እዮም። ንዚኦም ፍቅሪ ሃገርን ህዝብን ላግፂ እዩ። ኩሉ ነገር ብዓይኒ ቅርሺ እዮም ዝግምግምዎ።
ሶማሊላንድ ኣብ 1991 ዓ/ም/ፈ ባዕላ ናጻ ሃገር ኢላ ዝኣወጀት ዓዲ እያ።ክስካብ ሐዚ ሃገራት ኣፍልጦ ኣይሃበኣን። ይኹንደኣምበር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ይኹን ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝበለጸ ዲሞክራሲ ዘለዋ ዓዲ ተባሂላ ቀልቢ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝሰሓባት ዓዲ እያ። ኣርባዕተ ግዜ ሰላምዊን ተኣማኒን ምርጫን ስልጣን ሽግግርን ኣካይዳ እያ። ሶማሊላንድ እዚ መስተንክራዊ ዓወት ዝጨበጠት ስብ ሃፍቲ ብዝገብርዎ ዝነበረ ድጋፍ እዩ። እዚ ለዉጢ ክመጽእ መዓት ሕልኽላኽ ነገራት ሓሊፎም እዮም። ጸገም ኣብ ዝተፈጠረሉ ግዜ ኣብ ደገን ዉሽጥን ዝርከቡ ስብ ሃፍቲ ሶማሊላንድ ብሄራዊ ዕርቂ ኮንፈረንስ፣ ናይ ሰላም ኮንፈረስን ብሄራዊ ረብሓ ዝምልከት ኮንፈረንስን እናካየዱ እቲ ዝርአ ጸገም ፈቲሐምዎ እዮም።
ኣብ ዓድና ከም ናይ ሶማሊላንድ ዝመሰሉ ስብ ሃፍቲ የለዉን። እቶም ዘለዉና ስብ ሃፍቲ ንናይ ህወሓት ጉባኤ ሚልዮናት ዝልግሱ እምበር ብሔራዊ ሓድነትን ስምረትን ንምጥንኻር ዝገበርዎ ምንም ዓይነት ኣስተዋጻኦ የለን ምባል ይከአል።
መደምደምታ
ህዝቢ ትግራይ ካብ ቅድሚ ሐዚ ዘጋጠሞ ጸገም ንላዕሊ ዝኸፈአ ጸገም ኣጋጢምዎ ኣብ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ይርከብ። ነዚ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ምኽንያት ዝኾኑ ድማ ናይ ዉሽጥን ደገን ኢልካ ምዉሳድ ይከአል እዩ። እዚ ጽሑፍ ድማ ኣብ ናይ ዉሽጢ ምክንያታት ትኹረት ዝገበረ እዩ። ንሱ እዉን ኣብ ሊሒቃን ትግራይ። ሊሒቃን ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ናይ ውድቀት ትግራይ ታሪኽ ትምህርቲ ወሲዶም ናይ ትግራይ ስልጣነ ንምምላስ ክቃለሱ ይግባእ ኔሩ። ይኹንዳኣምበር እቲ ናይ ሕሉፍ ሕማቕ ታሪኽ ብዘሐፍር መንገዲ እናደገምዎ ይርከቡ። በዚ ምክንያት ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣደዳ ጥሜት፣ ስደት፣ ድንቁርናን ጦርነትን ኮይኑ ይርከብ።
ኣብ ትግራይ እቲ ጸገም ዝቕጽል ዘሎ መፍትሒ እቲ ጸገም ስለ ዘይፍለጥ ኣይኮነን። እኳደኣስ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ጉጅለታት መጠመቲኦም ረብሓ ህዝቢ ትግራይ እንተይኮነስ ስልጣን ጥራሕ ስለ ዝኾነ እዩ። መፍትሒ ህልዉ ኩነታት ትግራይ እቲ መፍትሒ ዝቕበለካ ኣካል ስለ ዘይለ ወይ ድማ ናይ ምትግባር ዓቕሚ ስለ ዝሰኣንካ ትግራይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዳኸመት ኣብ ጫፍ ጥፍኣት ክትበጽሕ ምርአይ ብጣዕሚ መሕመሚ እዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ኣኽራሪ ህወሓት ዳርጋ ጠፊኢ እዩ ምባል ይከአል። ይኹን ዳኣምብር ብስም ህወሓት ዝሽቕጡ ዕጡቓት ካድረታትን ኮሚሳራትን ኣለዉ እዮም። በዞም ጉጅለታት እዚኦም ድማ ህዝቢ ትግራይ ሓሳረ መከርኡ ይርኢ ኣሎ። እዞም ጉጅለታት እዚኦም ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣይንታዮምን። “ኮርን ልዕሊኣኡን” ዝብል ናይ ሸፋቱ ጉጅለ መስሪቶም ናይ ትግራይ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ጸጥታን ዳርጋ ኣብ ቁጽጽሮም ኣዉዒለምዎ ይርከቡ። እዞም ሓይልታት ልክዕ ከምቲ ፈጣሪኦም ህወሓት ብንግግር ዘይኣምኑን ዘይንሶም ኣብ ትግራይ ፈላጥ ዘሎ ዘይመስሎም ሓይልታት እዮም። ስለዚ ትግራይ ንምድሓን እዞም ሓይልታት ናይ ግድን ክሽነፉ ኣለዎም። እዞም ሓይልታት እዚኦም ንምሽናፍ ድማ ኩሉ ዝተወደበ ዘይተወደበን ትግራዋይ ናይ ሓባር ቃልሲ ክገብር ክኽእል ኣለዎ። እዞም ሓይልታት እታ ሓንቲ ዝተኣኣመንሉ ነገር ምትዃስ ንኽእል ኢና ትብል እያ። ብሰንኮም እቲ ምትኳስ ዳርጋ ኩሉ ትግራዋይ ኪኢልዎ እዩ። መሲልዎም እምበር ዝተፈለየ ብልጫ የብሎምን። እታ ዝፈርሕዋ ዓባይ ነገር ድማ ሓሳብ እያ። ካብ ጥይት ዝተዓጠቐ ሓሳብ ዝተዓጠቐ ኣመና የፍርሖም። ስለዚ ነዞም ጉጅለታት ዓርሲ ህወሓት ብሓሳብ ኣሸኒፍና ዝተወጸዐን ዝጠመየን ህዝብና ኣጆኻ ኣለናልካ ክንብሎ ይግባእ። ትግራይ ሓቀኛ ሊሒቅ (organic elite) የድልያ። ሊሒቃን ዘልማድ (traditional elites) በቃኹም ክበሃሉ ኣለዎም። ሓቀኛ ሊሒቅ እንተዘይተፈጢሩ ትግራይ ከም ብሔር ትቕጽለሉ ዕድል ኣብ ሓደጋ እዩ።
ፍልፍል
ገብረማድህን ሮምሃ (2015 ዓ/ም) ፣ ትግራይ ኣብ ነጥቢ መቐይሮ፣ ቤት ሕትመት ዳዊት
ገብሩ ኣስራት (2006 ዓ/ም) ፣ ላዕላዉነትን ዲሞክራሲን ኣብ ኢትዮጵያ
ገብረስላሴ ኪሮስ (2016) ፣ ግደ ምሁራን ኣብ ምሕደራን ልምዓትን ትግራይ፣ ኣብ ትግሃት ዝተሓተመ
ውድብ ናጽነት ትግራይ (2016 ዓ/ም) ፣ ፖሊሲ 00: ምድሓን ብሄረ መንግስቲ ትግራይ
Christopher Clapham, 2017, the Horn of Africa: State Formation and Decay
Daron, A. and James A. Robinson (2012). Why Nations Fail. The Origin of Power, prospertity, and poverty
Dan, S. and Saul, S. (2009). Start up Nation, the story of Israel’s Economic Miracle
Strange, j. (1998). Capital “W” war: a case for strategic priniciples of war
Gramsci, Antonio. (1971). the intellectuals, in selection from the Prison Notebooks. Translated and edited by Q. Hoare and G. N. Smith.
* መምህር መቐለ ዪኒቨርሲቲን ኣባል ብሄራዊ ፈጻሚት ዉድብ ናጽነት ትግራይን
Editor’s Note: The opinions expressed in the articles published on UMD Media are solely those of the individual authors and do not necessarily reflect the views or opinions of the editorial team or UMD Media as an organization. The publication of any opinion piece does not imply endorsement or agreement by UMD Media. Readers are encouraged to critically evaluate the content and form their own conclusions. Leave your comments below. Send us your thoughts and reflections to umd.media.2020 at gmail dot com.
Add comment