ክንፈ ሓዱሽ*

ትሕዝቶ እቲ ስምምዕነት ብምዝባዕ፣ መንነት ተሰማዕማዕቲ ኣካላት ብምጭብርባር፣ ሓሳባዊ ረብሓታት እቲ ስምምዕነት ብምጉላህ፤ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ከም ዓብዪ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዓወት ክቕርቦ ይፍትን ነይሩ። ኩሎም ሕቶታት ትግራይ ኣሀጊሩ ንስልጣን ዝጓየ ዝነበረ መሪሕነት ህወሓት ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ናብ ትግራይ ዝመፁ ልኡኻት ስርዓት ኢትዮጵያ “ኣብ ሞንጎና ሳልሳይ ወገን ኣየድለየናይ፡ ካብ ናይጀሪያ ሰብ ኣምፂና ክንሸማገል መሕፈሪ እዩ”  ብምባል ነቲ ስርዓት ዘለዎ ተዋረዳዊ ተኣማንነትን (allegiance) እቲ ኸይዲ ንኽልቲኦም ገበነኛ ናይ ስልጣን ሓይልታት (ህወሓትን ብልፅግናን) ዘስማዕምዕ ካብ መደራደረቲ ዝተኸወለ ክልተኣዊ ድርድር ክግበርን ፃውዒት ገይሩ እዩ። ብምቅፃል “ሓደ ሚልዮን ትግራዋይ ኣይሞተን፤ ከምኡ ዝበሉ ሰባት እቲ ኣመራርሓ ኣጨፍጪፉና ንምባል እዩ” ብምባል ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ብሞት ሚልዮናት ዝግለፅ ሰብኣዊ ህልቂት ብመንፅር ንውልቁኡን ጉጅልኡን ዘስዕቦ ተሓታትነት ብምስፋር ፅንተት ትግራይ ብዕሊ ክሒዱ። እዙ ተግባር ቅሉዕ፣ ዘየሻሚ፣ ውፁእ ብሄራዊ ክሕደት እዩ። ይኹን እምበር እዙ ዝበለ መራሒ ህወሓት ሕጋውን ፖለቲካውን ዋጋ ኣይኸፈለን። መሪሕነት ህወሓት ሕጊ ኣብ ዝኾነሉ ዓዲ ክሕተት ትፅቢት ኣይግበርን።

ሙሉእ ትሕዝቶ ፅሑፍ ብ PDF

*ኣባል ብሄራዊ መሪሕነት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ መምህር ምሕደራ ህዝቢ (Public Administration)
ኢሜይል፡ [email protected]
X፡ @hadush_kinfe

UMD Media

View all posts

Add comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *