ጽራይ ወርቂ (ግንቦት 2016 ዓመተ ግእዝ)

መቐለ

“ሰብ ዲኻ? ተፈናቓላይ?” ቢሎም ምስ ሓተቱኒ ልሳነይ ክሳብ ዚለኣም ደንጊጸ፣ ፈሪሐ ‘ውን ከብደይ ምስተሓዋወሰ ከመይ ቢለ “ሰብ ኢየ” እናበልኩ ከም እተማጐትኩ ኣዪፍለጠንን። መጐተይ ‘ውን ኣእዳው ቀተልቲ ኣብ ክሳድካ ሴፍ ጨቢጠን እናሓንሓናልካ እንከለዋ ዚመስል ቃል ጻዕረ ሞት ከይኰነ ኣዪቐርን።

ወይሌ! ሰብነት ደኣ ኣይረሳዕናዮን ዲና፧ እንታይ ኢዩ እቱ ኣንደበተይ ርትዕት ‘ኮ ሰኣንኩሉ  ኣነ’ስ “ህበይ’ስ ትልወጥ ‘ኳ” ኣይበልኩን ድየ፧! “ሥድራ ኸ” እንተተብሃልኩ’ስ “ሥድራይ ህዝቢ ምዕራብ” ቢለ ‘ንዶ።!

ሰብ: ሎም ገና ወዲ ዕሥራታት ከሎኹ: እቶም ኣብ ገድሊ  ትግራይ ዘሕለፍክዎም ግዜታት ከም ‘ዙ “ትማሊ…ትማሊ” ዝኾኑ መሲሉ እናሓሰብክዎም’ስ፤ ካብ ምዕራብ እንካብ ዝወፅእ ግን ኣማኢት ዓማውቲ ዝገበርኩ መሲሉ ዚስመዓኒ: ማቱሳላ ኰይነ¡ ግድለይ ምስ ተፈጥሮ እንካብ ዚዀን ንደኃር ምስ ግዜ ‘ውን ተፃሪረ ፣ተጻሊአ፣ ተሓናፊጠ፣ሕቶ ተሓቲተ።  ‘ሞ ፀሐይ ኣብ ቅርቅርቲ ሰማይ ዜብርቕ ግዜ ደኣ ኣበይ ርእየ እፈልጥ፧ ሥ’ራሕ ሰብ ባሕሪኡ ኸ ከመይ ከየንደደኒ ኪተርፍ፧

ባእስና! ቈልዓ ከሎኹ: ስለ ቍልዕነት ከውግዕ ዝጀመርኩ ሰብ:  ተዘክሮ እቱ ኣብ ማዕሙቕ ናጽነትን ሕንቃቐን ኣቲወ ን ሓቂ ተኣሚኑ ፣ ን ኽሥታቱ ተገዚኡ  ዘስተማቐርክዎ ቍልዕነተይ: ብ እተፈላለዩ ሰንኪታት ኣንቃሒ ረኺቡ ኣዪፈልጥን። ሓደ ሻብ ግን እዝክር: ጓል ዓዲ ጐሹ ብጺተይ:

“መንዲል ኔራትኒ መንዲል ተፈታዊት ን ሓፍተይ ሂበያ: ሓፍተይ ተጋዳሊት” ዚብል ደርፊ ሕፃንነት: ኣስሚዓትን’ስ ቀጨውጨው ኣብ እተሰምዖ ዅነት ኣቲወ ነይረ። ሻቡ ንተሓላቕነተይ ኣዘኪራትኒ፣ን ናፍቘተይ ኣሣዊራትለይ፣ ነቕኒቓትኒ። ብ ዝሓለፈ ‘ኳ ደዊላትለይ’ሲ “ከመይ እኒሀኺ” እንተበልክዋ “ኣለና: ኣብ ውሽጢ ክዳን” ቢላትኒ። ክዳን ግን እንታይ ኢዩ ኣዐጊሥዎ፧ ዘይተሓተተ እንታዋይ: ኢዩ ኸ፧

ክልቴና: ን ባዕልና እንድዒ እምበር፤ ን ብዙሓት ‘ደቂ ሑመራ’ ኢና።

ካልእ ሰብ “ወዲ ሑመራ” እንኪብለካ ግን ደስ ኪብል። ብኡነት! ውሑዳት ዚቐርቡኒ ሰባት “ወዲ ሑመራ” እንትይብሉኒ ብ ኀሤት እምላእ ኢየ። ወዲ ሑመራ’ስ ብሥሩ ዚመጣጠና ዘይተረኽበላ: ትግራወይቲ ሳጓ ኢያ። ኣብ ሠገር-ተከዘ ምስ ምዕራብ ብዙሕ ዜብሉ ሰብ ኪጐነፈኒ እንከሎ ኢየ ግን ኣብ ዝባን ህንጡውነቱ ዝውንጣሕ። እሕንቅቐሉ፣ ስለሑመራ ብዙሕ አውግዐሉ። እማነይ! ደቂ ኣውራ ‘ኮ ኣብ ‘ቱ ሕፃንነትና  “ሰብ ንሑመራ ከይዱ” እንተሰማዕና: ንሕና ናብ ዘይንፈልጣ ዱባይ ከም ዝኸደ ኢና እንሓስቦ ዝነበርና። ስለ ‘ዚ ኸኣ ሑመራ ንኣይ: ኣብ ትግራይ ቅሻረታዊት ከተማ ኢያ እብል። ን ሕብሪ ጽባቔኣ፣ን ግርማኣ እትወዳደር መቐለ የላን። መቐለ ፋሕሻው!

ሎም ‘ኳ ኣብ ዘዝኸድካዮ ወዲ ሑመራ እኒሆ። ምሳይ ‘ውን ነቢራ።

ጓል ሑመራ ብጺተይ ን ጣይቀት ቤተ-ሰብ ሽረ በጺሓ ክትምለስ ልባ ሓሚማ: መንፈሳ ሰንኪሉ ነቢሩ። ሓልሓሊፎም ብ ሓይሊ እትግየጾም ሕንቅልሕንቅሊተይ ሠሓቓት ደኣ: ን ህላዌኣ ይሓስዉላ ‘ምበር፤ ን ዘስተብሃላ ጭንቃ ተነባቢ ኢዩ ነይሩ። ኣነ ኸኣ: ወዲ ሑመራ ኢየ ‘ሞ “ፊደላት ጭንቃ”: ኣስተዋሒደ ደሃይ ኑባሬ ደቂ ዓደይ እሓታ። ስለ እቶም ምብላዕ ዝሓረሞም፣ ብ ሰንኪ ሰኣኖ ዘይምሱል ዝመሰሉ፣ ሕፃውንቲ፣ቈልዑን ዕሸላትን ተዕልለኒ: ‘ፈሊጣ’ ኢያ ግን፤ ብ ቘልዑ ከም ዘዬኽእለኒ ሓሲባ: ክተንብዓኒ እናደለየት እምበር። ዕር-ዒራኣ ክተቐንዝወኒ: ስለ እታ ደቃ እትዕንግሎም ጠፊእዋ ኣብ ሓጺን ማዕጾ ተሓኒቓ ዝተረኽበት ኣዶ ተውሥኣለይ። ኣዪከኣለንን! ካብ ‘ዙይ ንላዕሊ ክሰምዕ: ዕርዲ ኣዬብለይን። ካበይ ኣምጺአዮ፧

ብጺት ‘ኳ ዘባዕባዕ ትብለላ ኢያ ዋ: ወይከ ኣይሰምዓን ቢለ ዝመሓልኩላ ተዅታዂት ቍስሊ ደርፊ  መኰንን እዝራ ‘ሲ “መን ‘ሎ ዘይተመልሰ” እትብል ተለላ ኢያ ኣብኡ ኣባጺሓትና። ኣነ እንዶ ‘ኳ እኒሀኹን! ወረግ ኣብኡ ኸሎኹ ን ዓርከይ ቅዱስ ዝብሎ ኣሎኒ። “በይዛኻ…በይዛኻ ደዊልካ ን ‘ዛ ደርፊ ኣይተስምዓኒ።” እናሰማዕኻኒ “መን ኣሎ ዘይተመልሰ” እንትይብል’ሲ “ብዘይካና” ኣይበልኩን ድየ፧ “ብዘይካና” ‘ኮ ብዙሕ ኢዩ። “ብዘይካና” ‘ኮ መዓት ኢዩ። ዘዪብሎ ‘ኮ የልቦን። ክንደይ ኢዩ ዚነግር!

ኣብኡ በጺሕና: እቱ “ሑመራ ክትወፂ ኢኺ ሓራ” ቢሉ ዝደረፈ ደራፋይ ‘ውን ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ‘ሕተቶ…ሕተቶ’ እመጻኒ። ገጽ ን ገጽ ተራኺብና “ሓራነት ከ መኣዝ ‘ዩ ብ ዓይኒ ንጽጽር ኪረኣይ እተጀመረ፧” ምበልክዎ ኣይምመለሰለይን።

ኣካላት ዕሸል ከም ‘ዙ ኸማይ ምስ ሓጺን ተላቲሞም: መሸከሉ ዝኸፍአ: መረባ ዘዪፈልጥ ቍልዕነት ምስ ርኤኹ፣ ካልእ ዕሸል እትመስለኒ ሓፍቲ: እታ ድቃስ ኣዪመጻንን እትብለኒ ጓል ኣውሮራ ተምሃሪት ከ ዝበለትኒ “ከመይ ቢልና ንነብር ከም ዘሎና እገርመኒ ኢዩ፧”! ሻቡ ‘ስ ኣነ ‘ውን ሓቲተ ኢየ። ሓደ እቱ ተኸዲንናዮ ዘሎና ክዳን ‘ሲ ንስኹም ፍንፉናት ኣይትኽደኑንን ቢሉ እንታይ ኰይኑ ኢዩ ዘዪሃድመና፣ክዳን እንታይ ኢዩ ኣዐጊሥዎ፧ ሕቶ ብጺተይ ኢዩ። ደፊረ ዶ ን ነፈሰይ ከጸናንዕ ደልየ እንድዒ “ዝኣኽለና ዓሪቕና እንዶ” ቢለ መሊሰዮ። “ጕልበት ምቝራጽ ተስፋ ሥጋዊ ህላዌና ኣኸሢቱሉ ዘሎ ሒሳብ: እንታይ ኢዩ” ቢለ ‘ውን ደጊመ ሕቶ እዛ ዕሸል ተሓቲተ። “ኦ ጐይታ ተስፋ ዘይቈረጸ ተስፋ ምቝራጽ ዝዓደልካና ንሕና: እኒመን ኢና፧” ቢለ ጥራኅ ተኣንክሮይ ገዲፈ፥ ስልሒ ወግዐይ ንፓይታጐረሰይ ሓዲገሉ።

ዘይተሓነቕና ኸ እንታይ ኣ’ሰከፈና፧

ሙባእ! ዋጋ ‘ቀ’: ትንፋስ ምዕራበታይ ዓባይ ምስሊ ‘ትርጕም ኣልቦነት’ ኰይና ትስመዓኒ። ካብ ኪደተ-ለውጢ ዝተነጸለት ሕይወት ኣብ ትርጕም ኣልቦነት እኒሃ እንተበልና ዜሰክፍ የብሉን። ከንቱነት ተዋሪሥዋ፣ሰባዊ ናይ ምንባር ተበግሦኣ ተጸንቂቑ፣ ሞት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቐትለኪ ‘ለኹ ቢልዋ “እይኣይ…ኣምላኽ ሓሻዊ ‘ዩ” ቢላ ትምጕት ዘላ ክሥተት ኢያ።

እቱ ‘ኳ ን ሶሊናይ “ዘይኰነሉ ናፍቘት፣ ማምውቑ ዝሰኣነ ሕቝፊ፣ ረኺብካ ምስኣንን ሕስድን: ምትህርራፍ ፍቕሪ” ዝወለዶ ቢለ ብዛዕባኡ ዘዕልላ ‘ባዶነት’ ሥጋ ለቢሱ እረኣየኒ። ኣብ ዝተመንሀ ፣ጨረራት ዚዘርቍዎ ኬንዳ ኣጽሊሉ እረኽቦ።

ጆርጅ ፍሎይድ እሓስቦ። እተን ብብርኪ እግሪ እቱ ጻዕዳ ፖሊስ ተሓኒቑ እንከሎ ዘሕለፈን ህሞታት እንታይ ኰን ይመስላ፧ እንከይፈለጥክወን ከኣ: እዛ ዘይትድቅስ ቈልዓ ኸ ጸው እንትብል ለይቲ፣ኢድ ብኢድ ዝገጠመቶም ፍርሕታት ገዚኦምዋ፣እትድቅሶ ጠፊእዋ እንከላ ዚህልዋ ሥቓይ ‘ሲ ይመሳሰለን ዶ ይኾና፧ ን ሥቓይ ክልቲኦም’ሲ ብ እቶም ኣብ ሪምና ሓሚሞም እንከሎዉ “እመውት ኣሎኹ…እመውት ኣሎኹ” እናበሉ ይበኽዩ ዝነበሩ ሰብኣይ ዶ ይጥመራለይ ይኾና፧ እታ ኣነ ኣብ ክታብ ግጥምታተይ

” ኣነ ጥፍጣፍ ጸብርኺ ፥ ኣብ ጐልጐልኪ ዝዓቤኹ

ብደወይ ሞይተ ‘የ ፥ ‘ሓመድኪ ዘይደ’በየኒ ቢለ ዝበኼኹ።” ቢለ ዘንበርክዋ ጽሕፍተይ ከ፧

ድሕሪ ምድማር ኣብ  ቅንፍ ዘሎ ጾር ዋጋ ‘ከ’ ግን ን ኣእማን መቓብር ተሰኪምካ ምንባር ዜራብሕ ኢዩ። “ኣብ ድሕሪት እኒሀና: ክላሽን ከቢዱና” ቢሉ ዝገጠምኩ ጫሕጋራይ ነገረ እታ ደቂሳ ዘይትሓልም ጐርዞ ሓሲበ’ስ: ካልእ ሕልሚ ቀትሪ ዚሕልኑ ሕፃውንቲ ተለኪሞምለይ። እንካ ‘ቱ ዘሎናዮ’ስ ሎሚ ንመውት ኣሎና ጥራሕ ኣይኰነን፤ እናሓደረ ኪቐትለና ኢዩ። “ዶክተር ክኾን ኢየ” ዚብል ሕፃን ኣይርኤኹን ‘ሞ ኣእምሮይ ተጓዕጺጹ፣ተዓምጺጹ ሀሎ።

….

ኣብ ኣጋ ምስዮት ጐቦ ዓዲ-ጭዓይ: ን ‘ዘን ጭሕመይ እናጠወይኩ፣ እምኒ ተደጊፈ፣ ኣዕይንተይ ጭንቍር ቢሎም ኣብ ሰልሚ ዝኽርታት ተረግሪገ: ን ‘ታ “ዘይትምኖ ከም ኣዶ” ዝተብሃለላ ፀሐይ ኣጋምስዮት እናተጸለውኩ: እፈርሕ እስከፍ። ከም ኣንትራክቲካ ዝደረቐት፣ከውሒ ዝለበሰት፣ንሳ ‘ውን  ከማይ ዝሓመቐት፣ ከይኣቶኽዋ መኣቱውቲ ዝኃለፈኒ ሠፈረይ: ኣብ እግሪ እታ ፀሐይ ዘላ ጌረ እሓስብ። እናርኤኽዋ፣ ከይመነኽዋ እትጠፍእ ዘላ እምበይተይ “ከም ኣዶ” ብ ሪኦ ትጠልመኒ።

እቱ ‘ኳ ልምላመኡ’ስ ይትረፍ: ዓቐብነቱ ናብ ሕልናይ ብ ዓብዪኡ ዚምሰል ጸድፊ ቃቓ፣ናፍቖታተይ ተስፋታት ዚሓዝሉሉ ዝነበሩ ምዕላበይ: ዘይናተይ መሲሉ እናተሰምዓኒ ተሸጊረ ኢየ። ብኡነት! ሕፃንነት ቈቍሩብ ውነ ጌሩ ዝጐዬኹሉን ምስ ኣዕርኽተይ ናይ ኸብድና ዘዕለልናሉ ቍልቍለት፣ ዕንጨይቲ ‘ታህሰስ’ ዝኣረይኵሉ ሽርጓና ኣጓንዩኒ ኢዩ ቢለ ዶ ሓሲበ እንድዒ “ድፍረት ዋንነተይ” ክምንጥል ቀሪበ ኢየ። ረብ…ረብ ኢለ እምበር! ወ።

ሽዑ ‘ምሥሓቕ ኣውራ’ “መረበተይ: እታ ዓባይ ዳዕሮኺ: ብቈልዓይ ‘ሙዚቃ ትሰምዕ’ ኢያ ‘ኳ ዝበሉኒ፣ ማይ ሷሪያኺ ፣ ‘ቀጠልያኺ’፣ ሰውሕኺ: ኣይናተይን” ክብል እውታእታእ።

ክትልሞ ከሎኹ: ቅስመይ ሰቢሩ ኣብ ዝባን እምንቶ ሓሳባተይ ዚጫድር ነገረ ህላዌኣ ኣብ ‘ዙይ ኰይነ ክሓስቦ ብ ምልኣት  ኣዪገብረንን። የቈናጽቦም፣ የስተናእሶም፣እናስሠሓቐ ናብ ጸምጸም ይድርብዮም። ን ኽፍ’ኣታ ኪርዳእ ዚኽእል፣ ብ ቓንዛኣ ዚሓምም ኣእምሮት፣ ተሰቍሮትን ናይ ግብርታት ቈራጽነትን ኣዬብለይን ቢለ ስለዝስከፍ ድማ እደኽመኒ። ኣዒንተይ ፍርሒ ን ዝወረሮም ኣባይታ ከዪርእዩ ይፈርሑ። ኣእዛነይ ሐሕማቓታ ኪሰምዑ ኣዪድልድሉን። ኣእጋረይ እንከይቀረዩ ረው…ረው ይብሉታ። እታ ዝምክሓላ ‘ሞ ትትረፍ፤ ኪድ እንተተብሃልኩ ‘ኳ ዝስደደላ ዓዲ ኰይና ‘ውን ትስመዓኒ! ዕርያ ድምርማራተይ ዋጋይ: ዋጋ “ጽራይ” ካብ ‘ዛ ከብዲ ኢደይ ወዲ ሑመራነተይ ኢድ ብኢድ እምንጠል! ዕድልተይ እነቕፈኒ።

ግዜ በዓል ዘረይቲ ኣይከኣልናዮን ‘ምበር: ወዲ ሑመራ ምዃን ‘ኮ የሐንቅቕ ኢዩ። ኣብ ምብራቕ ን ዘሎዉ ቤተ-ሰበይ ‘ሲ ከም “ዕንቊ” ትግራዋዮም ኢየ። ሥጋኹም ዋ! ብ ምንድብቲ ዓድኻ እተስቈንቍን ሰብ ምዃንካ: ተሓዚኑልካ “ክትሕንቅቕ” ከሎኻ ግን: ዝኒሀዎ ሕሥረት ንበይኑ ኢዩ።

ይቕረየኒ በቃ! ሕርፍና ወሕንቅቕና: ይኣኽለኒ። “ወዲ ሑመራ” እንትበሃል: ነፍሰይ ብዕሩቑ ብ ኀሤት እንትምላእ ስኒት የብሉን ፣እሕሱ ‘የ ዘሎኹ ‘ዋ። ስለ ‘ዚ ኸኣ እንሀሎኹ ሐዚ ‘ውን ንሓተትተይን ን ባዕለይን  ምስ ሴፋቶም: “እሺ ጐይቶተይ: ግን ኣነ ሰብ ኢየ” ቢለ እዕንቅጾም።

UMD Media

View all posts