ዳዊት ካሕሳይ (ግንቦት 29 2016 ዓም)

ትግራዋይ እንታይ ይደሊ? ንምንታይከ ናይ ሕዚ መኸተ ኣንጻር ለፍንቲ ጽንተት ሓዊሱ መዋእሉ ተቓሊሱ? ንዝብሉ ሕቶታት ብቐሊሉ “ህላውኡ ንምውሓስ፣ መንነቱ ንምዕቃብ፣ ሃገር ንምኹዋን” ወዘተ… ኢሉ ዝምልስ ሰብና፣ “ኣበይ ድኣ ኣሎ እቲ ተዋሕሰ ህላወ? ኣበይ ኣላ እታ ሃገር?”  እንትብሃል እዝጊ ዋንኣ፣ ኣታ እዚኦም እናሃለውዶ ወዘተ ውዘተ… ዝብል ሓውሲ መልሲ ዝመስል ጉዋህን ሕራሮትን ተሓውሶ ግብረ መልሲ ምስማዕ ዳርጋ ልሙድ እዩ። ድሕሪ ዕውታት ብረታዊ ቓልሲታት ምክያዱ ባህጊ ዓርሱ ምውናንን ምቑዋም ነጻን ሉኣላውን ሃገረ መንግስቲ እናተኾልፈ እህህ ናበለ ናይ ምቕፃል ልምዲ ዘለዎ ህዝብና፣ ሐዚ ‘ውን ሙሉእ ናፃነት እዩ ዓስቢ መስዋእተይ፣ ደበስ ስውኣተይ ኢሉ ኣዚሙን ጨሪሑን ኣሸሓት መላምል ደቁ ሓዊሱ ከቢድ ዋጋ ደጊሙ ዝኸፈለ ህዝቢ ብፍላይ ድማ እቲ ንኡስ ወለዶ ሎሚ ‘ውን ከም ትማሊ ደጊሙ ዛዕብኡ ተሓዲጉ እህህታ ኣጕዱ ማዕልቲ ክፅበ ውዒሉ ይሓድር።

ዕፃ ቀዳሞት ወለዱን ኣሓቱን ከይትገጥሞ ለጊሙ ዝነበረ መንእሰይ

እዚ ዓለም ብዓለማ ዘገረመ ናይ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ከቢድ መኸተ ኣንጻር ሓይሊታት ልፍንቲ ፀነተ፣ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ብረታዊ ቓልሲ ዝተርኣየ ተኣምራዊ ፍፃመታት ገድሊ/ጅግንነታት እኳ ንበይኑ ፈሊና እንተሪአና፣ ኣፍቲ ፈለማ ገፅ ናይቲ ኲናት መንእሰይ ንሜዳ ቃልሲ ውረድ እንትብሃል ከምታ ናይ 1983 ዓ.ም ድሕሪ ዓወት ዝገጠመት ዕፃ ቀዳሞት ወለዱን ኣሓቱን ከይትገጥሞ፣ ለጊሙ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ምንታይሲ ተጋዲሉ፣ ተሰዊኡ፣ ቆሲሉ፣ ሰንኪሉ፣ ኮታስ ብኹሉ መዳይ ዝግለጽ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ እንተብቅዕ እቲ ድሕሪ ዓወት ብዕድል ተሪፉ ዝወጸ ግን ኣለይ መለይ ዝብል ሓባሪ ዘካሪ ኣካል ስኢኑ ፎቖዱኡ ተደርብዩ፣ ገሊኡን ተረፊትካ ተባሂሉ፣ ገሊኡን ናብ ስደት ኣምሪሑ፣ ዋዕሮታት ነበራ እንተይተረፈ ክሳብ ክብረንን ነብሰንን ምሻጥ በፂሐን፣ ገሊኦምን ድማ እግሮም ናብ ዝመርሖም ዓዲታት ናይታ ካሕዳም ሃገር ሃፅ ኢሎም ብምጥፋእ ሰብ ኣብ ብቐሊሉ ዘየለልዮም ዓዲታት ተበቲኖም መንነቶም ብምሕባእ ክሰርሕዎን ክውዕልዎን ዘይሓሰብዎ ቡዙሓት ስራሕቲ ብምስራሕ ናብርኦም ክመርሑ ጀሚሮም፣ ገለን ድማ ኣብ ዓዶምን ዓውዶምን ምስ ህዝቦም ዝኾኖ ናኾኑ መዓልታዊ ህይወቶም ዝመርሑ እውን ኔሮም። ካብዚ ወጻኢ ድማ ሸኽሚ ቤተሰቦም ብምኻዋን ፆር ዝኾኑ፣ ተጸበይቲ ኢድ ሰብ ዝኾኑ ወዘተ… እንትኾኑ፤ ገለን ዕድልኛታት ድማ ናብ ከምኒ ዳንሻ ዝመስላ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ ተጣየሹ እውን ኣይስኣኑን። እዛ ናይ መወዳእታ ጉዳይ ምጥያስ እታ ዝለዓለት ክብሪ ትግለጸላ ንተራ ተጋደላይ ከምዝነበረትን እንተስ ኣርኪቡ ብዓይኑ ዝርኣየ፣ እንተስ ዝሰምዐ ናይ ሎሚ ወለዶ እንታይ ዝበሃል ዕላማን ሽቶን እሞ ከዐውት ክወፍር፤ ንመን ክጥዕሞ ኢሉ ይጋደል?

ባዓል ዋና ረብሓ ትግራይ ብዓል መን እዩ?

መሓውራት ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ (ፓርቲ)ን መንግስትን ምፍልላይ ዘይተዋሕጠሉ ውድብ ህወሓት፣ ብኽልተ ምኽንያታት ማለት እውን ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ቢሒቱ ብምሓዝን ብምቕፃልን፣ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብስመይ እዩ ተፈሪሙ ብዝብል ማይ ዘይቑዋጽር መኽኒትን ብሕተ “መንግስትነት” ክገድፍ ከምዘይደሊ የርእይ። “ህዝቢ ስለ ዝደልዮን ስለ ዝፈትዎን እምበር ኣብ ስልጣን ዘሎ፥ እንተዘይደልዮ ኔሩ ቀደም ‘ንዶ መውረዶ” ትብል ከም ድርሳን ትደጋገም ንብዙሓት ዘሰልቸወት ማይ ዘይትቑዋጽር ላግጺ እውን ኣላ። ሓሳዊን ቆርበትን እንዳሓደረ ይፎክስ ከም ዝብሃል፥ ህዝቢ ከምዘይደልዮም ግን በዚሑስ ገንፊሉ ኣብ ዝተርአየሉ ሐዚ እኳ፥ ብግዲ ኣብ ዝባኑ ተፃዕኒንዎ ይቕፅል ኣሎ።

ኣብ 1983 ዓ.ም ኣ.ኣ. እንትኣቱ ኣብ ቃልሲ ሓቢሮምዎ ዘይነበሩ ሓዊሱ ናይ ስግግር መንግስቲ ዝመስረተ ህውሓት፤ ንትግራይ እንትኸውን እቲ ቤት ምኽሪ ግምት ናይ ኩሉ ውድባት ተዋፅኦ ይሃልዎ እንትብሃል ዝኣበየሉ ምኽንያት ብዙሕ ምርምር እኳ ዘድልዮ ተዘይኮነ፤ ንምንታይ ኣብ ትግራይ እንትኸውን ይኣቢ ኢልካ ምሕታት ግን የድሊ እዩ።

ቤት ምኽሪ ግ.ም.ት ናይ ኩለን ውድባት ውክልና ሃልይዎ መሊሱ ይጣየሽ ወይ እቲ ኣማኻሪ ቤት ምኽሪ ካብ ምምኻር ብተወሳኺ፣ ኣመራርሓ ናይ ግ.ም.ት ናይ ምክትታል ሓላፍነት ክህልዎ፥ ብፍላይ ተነሓናሕቲ ብሄራዊ ውድባት ትግራይ ድማ ትግራይ ኣትያቶ ካብ ዘላ ኩነታት ንምውፃእ ዕዮ ገዛ ይከፋፈላ። ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ወፂአን ድማ ረብሓ ትግራይ ብሓባር ንምውሓስ ዝሰርሓሉን፣ ካብ ምጉዳል ዝከላኸላሉን መንገዲ ክፍጠር ከምዘለዎ ዘመላኸቱ ብዙሓት ኣጋጣሚኣታት ተራእዮምን ሓሊፎምን እዮም። ኣብዚ ዘለናሉ ተኣፋፊ ኹነታት ረብሓ ትግራይ ብዓል ዋንኡ ግ.ም.ት ጥራሕ ክኸውን ዝገብር ኣረኣእያን ናይ ኣሰራርሓ ልምዲን ተቐይሩ ህዝቢ ባዓል ዋና ክኾን ኣለዎ።

ውዕሊ ፕሪቶርያ፥ ምስ መውቅዒ በትሩ እዩ ተኸቲሙ። ትግራይ ብውድብ ብርኪ ክትውከል ዝተገብረሉ ቐዳማይ ምኽንያት ኣብ ትግራይ ሱር ሰዲዱ ዘሎ ኮሚኒስት ፖለቲካ ካብ ሱሩ ክመሓውን ነፃ ዕዳጋ ዝቕበል ፖለቲካዊ ኣታሓሳስባ ምትእትታውን እንትኾን፤ እዚ ኣብ ምትግባር ዝፍጠር ምትዕንቓፍን ዘይምትግባርን ክውቀስ/ክኽሰስ በዚ መሰረት እውን ክሳብ ብሓይሊ ክቕፃዕ ዕላማ ዝገበረ እዩ።

እዚ ዕድል እዚ ውድብ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዘለዎ ኣራኣእያ፥ ንባዕሉ ረብሓ እውን ከውዕሎ ስለ ዝደለየ ዝተቐበሎ ውዕሊ ዋላ’ኳ እንተኾነ፥ ከም ዝሓሰቦ ስለዘይኸደ ግን ዘይተርፈሉ ለውጢ ክቕበል የዕጠጢን፥ ካብዚ ሓሊፉ ውን ዝተኸፍለ ይከፈል ንእበ ብዝብል ነንባዕልትኻ ምፍጣጥን ውግእ ምቕፃል ከም ሕርያ ዝቐረበሉን ኹነታት፥ ውድብ ህውሓት ነገራት ካብ ረብሓ ህዝቢ ኣንፃር ናይ ምርኣይ ተኽእሎ ክንደየናይ ዝሕቱል ምዃኑ መርኣያ እዩ። ኣብዚ ትግራይ ዘለውዋ ዕድላት ንኸይትጥቀምን፥ ከም ሕብረተሰብ ከመይ ንኹን ዝብል ንኹሉ ብዘማእኸለ ብግዘ ተዘትዩ ናይ ቀፃሊ ጉዕዞና ካርታ ከይንሕንፅፅ ዕንቅፋት ኮይኑን ይርከብ። ግምገማ ኣብ ታሪኽና ዓቢዪ ሚና ዝፃወት ባህልና እኳ እንተኾነ፣ መብዛሕቲኡ ግዘ ከም ሕብረተሰብ ንረብሓና ብዝውዕል ክንጥቀመሉ ኣይረአን። ውድብ ህወሓት ኣብ ዝሕዓለፉ 30 ዓመታት እንታይ ፖለቲካዊ ረብሓ ኣምፂኡ ኢልና ሓቲትና፣ ብመንፅር ቀፃሊ ረብሃ ኣብ ምውሓስ ህንፀት ፖሊቲካ ትግራይ ክንግምግም እንተለና ኪሳራ ምዃኑ ኢና ንርዳእ፤ ንዚ እዩ ድማ መብዛሕቲኡ ክፋል ህዝብና “ምንም” ክብል ነዚ ሕቶ ክምልስ ንዕዘቦ።

ትግራይ ዶ ወይስ ውድብ ነድሕን?

ስለዚ ኣብዘለናሉ ኩነታት፥ ሰብና ትግራይ ዶ ወይስ ውድብ ከድሕን ይመርፅ ዝብል ክውስን ኣብ ዘለዎ ኹነት ይርከብ። ውድብ ህወሓት ናይ ኩሎም ኣፈላላያትና ፍልፍልን መቐፀልታን እያ። ከም ተጋሩ ሓደ ክንኾነሎም ዝግባእ ግን ብዘገርም መልክዑ ዝተፈላለናሎም ዛዕባታት ምርኣይ ንቡር ኮይኑ እዩ። ንፍትሒ ሓቢርካ ምሕታት ነውሪ ዝኾነሉ፥ ፍትሒ ንዝሓትት፥ ካብ ፖለቲካዊ ድሌቱ/ሻራዊነቱ ብዝተበገሰ ፍትሒ ከይውሃብ/ክኽላእ ዝፅውዕ ምርኣይ፤ ጥሕሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ምብርትታዕ ከም መሰልካ ምርኣይ፥ ካብ ፖለቲካዊ ሻራዊነት ነፃ ዝኾና ትካላት ምምስራት ፀረ ትግራይ ገይርኻ ምርኣይ ወዘተ ክትዓረቑ ዘይኽእሉ ድሌታት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ናብ ምትሕላላኽ ዘምርሐሉ ባህሊን ከም ኣወንታዊ ነገር ዝንርእየሉ ኣተሓሳስባን ፖለቲካን ዘውረሰትን ከም መትከል ተቐፅል ዘላን ወድብ እያ።

ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝብና ምስ ምውሳኹን ብነፃ ሓሳቡ ክገልፅ ብምጅማሩን ሀዚ ሀዚ ብሰፊሑ ንቕድሚት መፂኡ ዝረአ ዘሎ ንውድብ ህወሓት ዝተቓወመ ሰብ ትግራዋይነቱ ዝኽላእ ወይ ትግራዋይነቱ ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣትወሉ ከይዲን ኣተሕዓሳስባን ብጣዕሚ መስጊኢ ምዕባለ እኳ እንተሪኢና፤ ቑፅሮም ዘይንዓቑ ተጋሩ ብስሩ ሓደ ህዝቢ ዲና ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ዘገደደ ኮይኑ ንረኽቦ። ከም ምስላ ወለድና ሕማቕያ ኣፍቃሪስ፣ ፈለማ ምስ ስድራኻ ይፈላልየካ ቐፂሉ ንባዕልኻ ይፍለየካ ይብሉ። ብስንፍና ፖለቲካኡ ኣባላት ስድራኻ ዘሰአነካ ውድብ፣ ፖለቲካዊ ርእይቶኻ ስለዝገለፀካ ሽማ ሽም ለጢፉ ነንባዕላኻ ዝፈላልየካን፣ ትግራዋይነትካ ዘስእነካን እንተኾይኑ፣ ናትካ ረብሓ ዝደሊ ኣይኮነ ምሳኻ ‘ውን ሓደ ምዃኑ ትጠራጠር ኢኻ። ድሕሪ እዚ ኹሉ ዓመታት ብሽም ትካላት ህዝቢ ዝፀንሓ ውህብቶ ቓልሲ ህዝቢ ዝኾና ትካላት ንሕጋዊነት ተባሂሉ ብውልቀ ሰባት ዝተመዝገባ ትካላት ትእምት፣ ንምውራስ ዝተጓየዩ ሰብ ስልጣን፣ እቲ ኹነታት ንኽፍጠር ይኹን ምስተፈጥረ እተን ሃፍቲታት ንምውራስን ናብ ህዝቢ ንዘይ ምዝውዋርን እቲ ህውከት ክቕፀል ዝኽእለሉ ናይ ግሎም ሚና ዝፃወቱ ከምዘለው እንትትዕዘብ፣  እምበርከ ሓደ ዲና? ዝብል ሕቶ ናብ ርእስኻ ምምፅኡ ዘገርም ኣይኮንን። 

ሓይሊ ምክልኻል ኣብ መድረኽ ሕቡራት መንግስቲታት ዓለምን ካልኦት ናይ ዲፕሎማሲ መድረኻትን ናይ ህዝቢ ትግራይ ካብ ፀነተ ንምክልኻል ዝመስረቶ ሓይሊ ምክልኻል እዩ ዝብል እምነትን ተቐባልነትን፣ ፖለቲካዊ ከስብን ህልውናን ህወሓት ከይተርፍ መራሕቲ ሰራዊት ብቅላዕ ወፂኦም እቲ ውግእ ዝመርሕ ዘሎ ናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ውክልና ዘለዎ ኮማንድ ፖስት ዘይኮነስ ህወሓት እዩ ክብሉ፤ ብጀነራል ታደሰ ወረደ ኣቢሉ ‘ውን ንሕና ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ምዃንና ኣንፈልጥን ነይርና ሰራዊት ትግራይ ኢና ብህወሓት ዝንምራሕ ክብል ናይ ህዝቢ ቃልሲ ዘይኮነስ ስልጣን ተሓዲጉ ኮርዩ ዓመፅ ናይ ዘልዓለ ፖለቲካዊ ውድብ ፀረ ማእኸላይ መንግስቲ ዝገብሮ ቃልሲ ምዃኑ ንምስክርነት ዝቐረበ መረዳእታ ዝሃቡን፣ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ተባሂሉ ካብ ምፅዋዕ ናብ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ሰራዊት ተቐይሩ ናይ ህወሓት ተዋጋእቲ ዝብል ሽም ተዋሂብዎን እዩ። እዚ ኽድዓት እዚ ኣብ ርእሲ ትግራይ ዝተገብረ ዘመተ ዘርኢ ምጥፋእ፣ ናይ ፖለቲካ ኣፈላላይ ዝፈጠሮ ጎንፂ ኮይኑ ክረአ ዝገበረን፣ ክልቲኦም ብስልጣን ዝተብኣሱ ናይ ፖለቲካ ሓይሊታት ብምትዕራቕ ክፍታሕ ይኽኣል እዩ ናብ ዝብል ድምዳመ ኣምሪሑን ትግራይ በቲ ዓሚፁ ዘሎ ውድብ ህወሓት ኣብ ውዕሊ ፕሪቶርያ ክትውከል ተገይሩ ክኽተምን ህዝቢ ዛዕባኡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ስሰዐን ህወሓት ክሕደግን ኣገዲዱ እዩ።

ኣብዚ ሀዚ ዘለናሉ ኹነታት ድማ ህዝቢ ትግራይ ትግራዋይነቱ፣ መሰረት ሓደነቱ ዝኾነ መንነቱ እናስአነቶ ትርከብ። ህዝብና መንግስቲ ናይ ምእማን ባህሉ ተሸርሽሩ፣ ዝኣምኖ ኣካል ክፍጠር ምፅላይ ካብ ዝጅምርን እቲ ባህሊ ምትእምማን ከይጠፍእ ኣብ ዝተረኽበ መድረኽ ኩሉ ንመራሕቲ ዝተብሃሉ እናዘኻኸረ ዓቂብዎ ክኸይድ ህዝብና ተደጋጋሚ በይናዊ ቃለሲ ክገብር ምርኣይ ሓበንን ዓብዪ ስግኣትን ብሓንሳብ ይስመዐካ። ካሊእ ተወዲእዋስ ህውሓት ከባቢያዊነት ብግልፂ ጠንቂ ሓድነት ትግራውይነት ኮይኑ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝገበረት፣ ብሓፈሻ ነውሪ ኣብ ትግራይ ከም ንቡር ቅቡልነት ክህልዎ ዝገበረት ውድብ እያ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ንባዕሉ መሊኡ ከይሰኣነ ክነቅሕ፣ ተወዲቡ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ፀረ ህልውናኡ ክቃለስ እንተኺኢሉ ጥራሕ እዩ ብዘላቒ ህልውናኡ ዘውሕሰሉ መንገዲ ህንፀት ፖለቲካኡ ክጅምርን ከውሕስን ዝኽእል።

UMD Media

View all posts