ዶ/ር ገብረሚካኤል ገ.  ዘርኣፅዮን

Oct 25, 2023

መበገሲ ወጥሪ ኣብይን ኢሳያስን እንታይ እዩ?. 2

ኣሰላልፋ ትግራይ እንታይ ክኸውን ኣለዎ?. 3

ኣብይን ኢሳያስን ብመንፅር ስትራተጂካዊ ረብሓታትና. 4

ቕድሚ ኹሉ ክስርሑ ዘለዎም ዕዮ ገዛታት ውሽጥና. 6

ኣታሕዛ ልእላውነት ኤርትራ. 7

ወጥሪ ኣብዪ ኣሕመድን ሻዕብያን ብቓልዕ ናብ ህዝቢ ወፅዩ መዘራረቢ ኣጀንዳ ከብ ዝኸውን ሰሙናት ገይርና ኣለና። እቲ ኣብ ሞንጎ ኽልቲኦም ናይ ደም ኣዕሩኽ ዝማዕበለ ዘይምስምማዕ ብጭምጭምታን ሕሜታን ካብ ዝስማዕ ኣዋርሕ ዝገበረ ‘ኳ እንተኾነ ብግልፂ ናብ ህዝቢ ዝወፀ ግና ኣብዪ ኣሕመድ ጉዳይ ቀይሕ ባሕርን ኣድላይነት ወደብን ኣመልኪቱ ኣብ ፋና ቴሊቪዥን ጥቅምቲ 2 ብ ኣቆፃፅራ ግእዝ ነዊሕ ዘረባ ምስገበረ እዩ።  ኣብዪ ኣሕመድ ንሞጎቱ የገልግሉኒ እዮም ዝበሎም ታሪኻዊ፣ ሞራላውን ሕጋውን ስነሞጎተታት ብምቕራብ ኢ/ያ ናይ ቀይሕ ባሕርን ወደብን ወናኒት ክትኸንው ከምዘለዋ ተዛሪቡ። ሻዕብያ ብወገኑ ብዕለት 5 ጥቅምቲ ብኣቆፃጽራ ግእዝ መግለፂ ዘውፀአ እንትትኸውን “ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መኣዲታት ኣይንዕደምን” ዝብል መልሲ ድማ ሂቡ። ነዚ ስዒቡ ሻዕብያ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳውብቲ ኤርትራ ምስ ኢ/ያን ትግራይን ዝኾኑ ቦታታት ወትሃደራዊ ምንቅስቓሳት የብዝሕ ከምዘሎ ወረታት ንሰምዕ ኣለና። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት እውን ተመወልቲ ሻዕብያ ዝኾኑ ናይ ኤርትራን ኣምሓራን ሚድያታታት ኣንፃር ኣብዪ ጎስጓሳት ኣሕይሎም ቀፂሎምሉ ኣለው።

መበገሲ ወጥሪ ኣብይን ኢሳያስን እንታይ እዩ? 

ከምዝፍለጥ ክልቲኦም ኣካላት መላፍንቲ ዂናት ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ናይ ደም ማሓዙት እዮም። ተሓባቢሮም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘብፅሕዎ ግፍዒታትን ህልቂትን ተዛሪብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እዞም ናይ ደም ማሓዙት እዚኦም ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ርክቦም ከምዝሓርፈፈ እዩ ዝንገር።  መበገሲ ባእሶም ክኾኑ ካብዝኽእሉ ምኽንያታት እቶም ቀንዲ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

  1. ቂም ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ኣብዪ

ሻዕብያ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ዘይዕገት ምስ መንነቱ ዝተተሓሓዘ ዕላማ ከምዘለዎ ተጋሩ ኹልና ንፈልጦ ሓቂ እዩ። እዛ ዕላማ እዚኣ ንምስኻዕ ኣብ መስርሕ እናሃለወ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብምፍራሙ ምኽንያት ጠጠው ክብል ተገዲዱ እዩ (ሐዚ ‘ውን ኣብ ዘይለቖቖም ኸባቢታት ትግራይ ይቕፅለሉ ዋላ እንተሃለወ)። እዚ ኢሳያስ ባዕሉ ንውዕሊ ፕሪቶርያ “ብ ኣሜሪካ ዝተሃንደሰ መዃልፎ” ክብል ኣብ ቴሌቪዝን ዝገለፆ ነገር  ስለዝኾነ ዘካትዕ ኣይኮነን። ነዚ “መዃልፎ” ድማ ኢሳያስ ንኣብዪ ተሓታቲ ከምዝገብሮ ርዱእ እዩ። ስለዚ በዚ ምኽንያት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ኣብዪ ቂምን ፅልእን ሒዙ ነቲ ሐዚ እንሪኦ ዘለና ውጥጥ መበገሲ  ከምዝኾነ ኢና ክንርዳእ ንኽእል። ኢሳያስ ካዓ ውልቃዊ ቂምን ፅልእን ከም ሓደ እታወት ሃገራዊ ፖሊሲ ገይሩ ዝወስድ ሰብ ምዃኑ ካብ ታሪኹ ስለንፈልጥ ቒምን ፅልእን ንኢሳያስ ዂናት ንምኽፋት እኹል ምኽንያት እዩ።

ኣብዪ ብወገኑ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊኡ ቂምን ፅልእን ሒዙ ከምዘሎ ስለዝፈለጠ፣ ኢሳያስ ቂም እንተሒዙልካ ድማ ናይ ግዜ ጉዳይ ‘ምበር ከየጥፈአካ ከምዘይድቅስ ድማ ስለ ዝተረደአ ኢሳያስ  ቅድሚ እዚኣ ምግባሩ ኣብዪ ክቕድሞ ደልዩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዪ ከምዚ ዝሓስብ ካብ ታሪኽ ኢሳያስን ህወሓትን ተማሂሩ እዩ ዝኸውን። ከምዝፍለጥ ኢሳያስ ኣብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብዝሓዞ ቂምን ፅልእን ናይ ውሽጢ ሃገሩ ዕዮ ገዛ ንጎኒ ገዲፉ ንህወሓትን ንህዝቢ ትግራይን ንምጥፋእ ቐዳምነት ሂቡ 20 ዓመት ብዘይዕረፍቲ ብምስራሕ ድሕሪ 20 ዓመት ብዝረኸቦ ዕድል ዳርጋ ተዓዊቱ ነይሩ እዩ።  ኣብ ልዕሊ ኣብዪ ተመሳሳሊ ነገር ንምግባር ካዓ ኢሳያስ ናይ ኣማሓራ ደገፍቱ ሰለዘለውዎ ፅቡቕ ዕድል ኣለዎ። ኣብዪ ነዚኣ ፈሊጡ ድማ ግዜ ከይሃበ ንኢሳያስ ክኣልዮ ብኡ ከሎ ካዓ ወደብ ክረክብ ዓሊሙ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሕ ሰብ ኣብ ውሽጢ ኢ/ያ ኣብ ኣምሓራን ኦሮምያን ውግእ ኣብ ዘለሉ እዋን ከምኡ ‘ውን ሰራዊት ኢ/ያ ብዂናት ትግራይ ኣዝዩ ኣብ ዝተዳኸመሉ እዋን ከመይ ኢሉ ንሻዕብያ ንምውጋእ እዚ ግዜ ተመሪፁ ክብል ይስማዕ እዩ። ነገር ግን ነዙ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ምኽንያት እንተሪእና ግዜ ምውሳድ ንኢሳያስ ‘ምበር ንዕኡ ከምዘይጠቕሞ ኣብዪ ዝተረደአ ይመስል፣ ግዜ ንኢሳያስ ‘ምበር ንህወሓት ከምዘይጠቐመ ልክዕ ማለት እዩ። 

  • ምስኣን ቕቡልነት መንግስቲ ኣብዪ ኣብ / 

እቲ ኻልእ ንውጥጥ ኣብይን ኢሳያስን ብወገን ኣብዪ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል ምስኣን ቕቡልነት መንግስቲ ኣብዪ እዩ። ቕድሚ ሐዚ ኣብዪ ብህዝቢታት ኢ/ያ (ብፍላይ ካዓ ብኣምሓራን መሰልቶምን) ዓብዪ ቕቡልነት ዝረክብ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝነበሮ ናይ ፅልእን ዂናትን መርገፂታት እዩ። እዚ መሳርሒ ቕቡልነት እዚ ድሕሪ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ጠፊኡ እዩ። ሰለዝኾነ ድማ ኣብዪ ሐዚ ኣብ ኢ/ያ ቕቡልነቱ ጠፊኡ እዩ። ኣብ ኣምሓራ’ማ ብስሩ ‘ውን ናይ ብረትን ፕሮፖጋንዳን ዂናት ተኸፊትዎ እዩ። 

ኣብዪ እንኮ ዕላምኡ ኣብ ስልጣን ምፅናሕን ስሙ ግኑን ክኸውን ምግባርን እዩ። ካልእ እዚ ዝበሃል ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ሰብ ኣይኮነነ። ስለዚ በታ እንኮ ዕላምኡ ዝኾነት ስልጣን ዝመፆ ዝኾነ ነገር ከምዘይፃወር ግልፂ እዩ። ስእነት ቕቡልነት ድማ ንስልጣኑ ኾነ ንሽሙ ዓብዪ ሓደጋ እዩ። ስለዚ ምስኣን ቕቡልነት ንኣብዪ ኣዝዩ ዘተሓሳስቦ ጉዳይ ከምዝኸውን ጥርጥር የብሉን። ኣብ ህዝቢታት ኢ/ያ ቕቡልነት ንምርካብ ካዓ ዘይገብሮ ነገር ከምዘይህሉ ርዱእ እዩ። ስለዚ ብምኽንያት ምስ ትግራይ ዝገበሮ ውዕሊ ሰላም ዝጠፈአ ቕቡልነቱ ከምልስ ሓዱሽ ስትራተጂ ኣውፂኡ፣ ንሱ ድማ ን ኢ/ያ ወደብ ክህልዋ ምግባር ንክኸውን ወሲኑ ክኸውን ይኽእል እዩ። 

  • ኣብዪ ውልቃዊ ዝንኡን ታሪኹን ንምህናፅን ዘለዎ ድሌት

ኣብ ላዕሊ ከምዝገለፅናዮ ኣብዪ ካብ ስልጣንን ውልቃዊ ዝናን ዝሓልፍ ፖለቲካዊ ዕላማ የብሉን። ስለዚ ንሃገር ይጥቀሙ ኣይጥቀሙ ብዘየገድስ ሽሙ ንምግናን፣ ታሪኹ ንምህናፅ ክጠቕምዎ ዝኽእሉ ነገራት ኹሉ ክገብር ይደሊ እዩ። ምስ ቐዳሞት መራሕቲ ኢ/ያ ብፍላይ ካዓ ምስ ሃይለስላሴን መለስን ንባዕሉ እናወዳደረ ካዓ ዘይምሉእነት ዝስምዖ ሰብ እዩ። ስለዚ ን ኢ/ያ ወናኒት ወደብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እንተጌረያ ሽመይን ታሪኸይን ክገንን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ከምዝህልዎ ምግማት ይከኣል።

  • ተፅዕኖ ዓለምለኻውን ኸባብያዊን ጂኦፖለቲክስ

ዓለምና ኣብ ደምበታት ምዕራብን ምብራቕን (USA + Europe vs Russia + China)፣ ኸባቢና ድማ ኣብ ናይ ኣዕራብ ደምበታት ማለት ‘ውን ደምበታት ዓረብ ኢምሬትን ስዑዲ ዓረብን  ዝተኸፋፈለ እዩ። መጀምርታታት ስዑዲ ዓረብ፣ ዓረብ ኤምሬትን ግብፅን ኣብ ሓደ ደምበ ኾይነን ኣንፃር እስላማዊ ፖለቲካን ኣንፃር ኢራንን ቱርክን(ንኣብነት ኣንፃር ብ ኢራን ዝሕገዝ Houthi Rebels) ተሰሊፈን ዝነበራ ‘ኳ እንተኾና ኣብ ቐረባ ግዚያት ግና እዘን ሃገራት ኣዕራብ እዚኣተን ዝነበረን ሽርክና ብምፍራስ ነናይ ባዕለን ዝፃረሩ ረብሓታት ከሰጉማ ጀሚረን እየን። ከም ኣብነት ኣብ ቐረባ ግዜ ንዝተፈጠረ ግጭት ሱዳን እተርኢና፣ ስዑዲ ዓረብያን ግብፅን ብኣልቡርሃን ንዝምራሕ ሓይሊ መከላኸሊ ሱዳን ክድግፋ ከለዋ ዓረብ ኤሚሬት ድማ ን RSF ደጊፋ ትርከብ።  ስዑዲ ዓረብያን ዓረብ ኤምሬትን ብዘለወን ናይ ጎብለልነት ውድድር ኣብ ኸባቢና ኣብ ዝፍጠሩ ግጭታት ዳርጋ ኣብ ኹሎም ኢደን ከእትዋ ይረኣያ ኣለዋ፣ ብፍላይ ካዓ ዓረብ ኤምሬት። ምስዙይ ተታሒዙ ዓረብ ኤምሬት ኣብ ዂናት ፅንተት ትግራይ ዝነበራ ተሳትፎ ዝርሳዕ ኣይኮነነ። ሐዚ ካዓ ዓረብ ኤምሬት RSF ደጊፋ ስዑድን ግብፅን ድማ ኣልቡርሃን ደጊፈን ኣብ ሱዳን ይሳተፋ ኣለዋ። 

ብመንፅር እዚ ኣሰላልፋ እዚ እንተርኢናዮ ብ ዓይኒ ዓለምለኸ ኣሰላልፍ ኢ/ያ  ኣብ ደምበ ምዕራባውያን እንትትኸውን ኤርትራ ድማ ኣብ ደምበ ምብራቕ (ሩስያን ቻይናን) ትርከብ፣ ተፃራሪ ደምበ ማለት እዩ። ብመንፅር ኸባብያዊ ኣሰላልፋ እንተርኢናዮ ድማ ኢ/ያ ኣብ ደምበ ዓረብ ኤምሬት እንትትኸውን ኤርትራ ድማ ኣብ ደምበ ስዑድን ግብፅን ትርከብ፣ እንደገና ኣብ ተፃራሪ ደምበ ማለት እዩ። ስለዚ ከምዚ ኣብ ኹሉ ኣሰላፋታት ንባዕላተን ኣብ ተፃራሪ ደምበታት ዝረኸባ ኢ/ያን ኤርትራን ብፅዕንቶ ኣሰለፍተን ናብ ወጥርን ዂናትን ክኣትዋ ይኽእላ ማለት እዩ። ስለዚ እዚ ከምዚ ዝበለ ተፃራሪ ኣሰላልፋ ሓደ ምኽንያት ንወጥሪ ኣብይን ኢሳያስን ክኸውን ከምዝኽእል ምግማት ይከኣል።

መበገሲ ወጥርን ምናልባት ‘ውን ክስዕብ ዝኽእል ዂናትን ኣብይን ኢሳያስን ብኸምዚ ካብ ረኣና ሐዚ ካዓ ኣብዙ ወጥሪ ኢሉ ‘ውን ክስዕብ ዝኽእል ዂናት ኣሰላልፋ ትግራይ እንታይ ክኸውን ኣለዎ? ዝብል ንርአ። 

ኣሰላልፋ ትግራይ እንታይ ክኸውን ኣለዎ?

ኣሰላልፋና እንታይ ይኹን ዝብል ቕድሚ ምርኣይና ግን ኣብ ሓዲኡ ክንስለፍ ከ ግድን ድዩ? ዘይምስላፍ እንተመረፅና ዶ ኣይሓይሽን ዝብል ሕቶ ከምዝመፅእ ግልፂ እዩ። ነዚ ሕቶ ‘ዚ ንምምላስ መጀመርታ ዘለዉና ኣማራፂታት ኹሎም ዘርዚርና ንርኣዮም። እቶም ዘለዉና ኣማሪፂታት 3 እዮም። ንሳቶም ድማ ምስ ኣብዪ ይኹን ኢሳያስ ዘይምውጋን፣ ምስ ኣብዪ ምውጋን፣ ወይ ድማ ምስ ኢሳያስ ምውጋን እዮም። ምስ ኣብዪ vs ምስ ኢሳያስ ምውጋን ዝብሉ ኽልተ ተፃረርቲ ምርጫታት ፅንሕ ኢልና ክንሪኦም፣ መጀምርታ ምስ ሓዲኦም ዘይምውጋን ዝብል ምርጫ ንርኣዮ። 

ምስሓዲኦም ዘይምውጋን ምናልባት ክልቲኦም ዂናት እንተጀሚሮም ኣብቲ ዂናት ብዘይምስታፍ መስዋእትን መቑሰልትን ስለእነትርፍ ዝሓሸ ምርጫ ክምሰል ይኽእል እዩ። ብስሩ ‘ውን ክልቲኦም ዝጨፍጨፉና ፀላእቲ ብምንባሮም ንሓዲኦም ምድጋፍ ግጉይ ክመስል ግድን እዩ። ኸይዱ ኸይዱ ግን ነዚ ሕቶ ዝምልስ ሓደ ዓብይ ሕቶ ኣሎ፣ ንሱ ድማ ብስሩ ኸ ናይ ዘይምውጋን ምርጫ ኣለና ድዩ? ዝብል እዩ። is

እቲ ኽውንነት ብቐረባ እንተርኢናዮ፣ ናብ ሓዲኦም ናይ ዘምውጋን ምርጫ የብልናን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ገለ ክጠቅስ። ሓደ ኣብዪ ሰራዊቱ ተዳኺሙ ስለዝኾነን ኣብ ኣምሓራን ኦሮምያን ድማ ኣብ ዂናት ስለዘሎን በይኑ ምስ ሻዕብያ ክዋጋእ ኣይኽእልን። ስለዝኾነ ድማ ናይ ትግራይ ሓገዝ ከምዝሓትት ፍሉጥ እዩ። ብስሩ ‘ውን ናይ ትግራይ ሓገዝ ከየረጋገፀ ዂናት ኣይኸፍትን። እቲ ሽግር እብዪ ክሓተና ከሎ እምቢ ክንብለሉ ንኽእል ኹነታት የለን። ምኽንያቱ ኣብዪ ኣብ ልዕሌና ዓብዪ Leverage ኣለዎ። እምቢ እንተኢልናዮ ኣሰላልፋ ቐይሩ ከም ናይ ቀደም ምስ ኢሳያንስ ኣምሓራን ሸሪኹ ዳግም ንጥፍኣት ኣሕሊፉ ክህበና ይኽእል እዩ። እዚ ኣማራፂ ኣብ ኢዱ እዩ ዘሎ። ኣብዪ ካዓ ኣብ ላዕሊ ክምዝተጠቐሰ ቕቡልነቱ ንምምላስ ወይ ምስ ሻዕብያ ወይ ዳግም ምስ ትግራይ ክበኣስ ኣለዎ። ስለዚ ንሕና ኣይንሕግዝን እንተኢልናዮ በይኑ ካዓ ምስ ሻዕብያ ክገጥም ስለዘይኽእል፣ ክገብሮ ዝኽእል ተመሊሱ ዳግም ምስ ትግራይ ብምባኣስ ኣብ ኢ/ያ ፖለቲካዊ ቕቡልነቱ ምምላስ እዩ። ኢሳያስን ሓይልታት ኣምሓራን ካዓ ቐደሙ ‘ውን ምስ ኣብዪ መባኣሲኦም ኣብ ትግራይ ዝጀመርናዮ ናይ ጥፍኣት ወፍሪ ዘይወዳእና ኾሊፍካና ዝብል ስለዝኾነ እቲ ትግራይ ናይ ምጥፋእ ፍቓድ ደጊሙ እንተሂብዎም ምስኡ ዘይዕረቕሉ ምኽንያት የለን። ገለ ሰባት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ካብ ከምዚ ዝበለ ዳግም ጥፍኣት ዝከላኸለልና “ሕገ እግዚኣብሄር” ጌሮም ዝሓስቡ ተጋሩ ኣለዉ። ከምኡ ዝበሃል የለን። ይትረፍ ኣብ ሞንጎ ኽልተ ሓይልታት ዝተፈረመ ውዕሊ፣ ሃገራት ዓለም ዝፈረምኦ ናይ UN ሕግታት በቢመዕልቱ በተን ዝፈረምኦ ሃገራት ክጠሓስ ይውዕል ኣሎ’ ሞ ግን ዝመፀን ሳዕቤን የለን። ውሽጣዊ ዓቕምን ረብሓ መሰረት ዝገበረ ምሕዝነትንምበር ውዕል ኣይኮነን መድሕን ሓደ ህዝቢ። ካብዚአን ካዓ ክልቲአን የብልናን። ውሽጣዊ ዓቕምና ብወሳናይ መልክዑ ብውዕሊ ፕሪቶርያ ተመንጢልና ኢና (ዕጥቂ ፍትሑ ስለዝተብሃልና)፣ ረብሓ መሰረት ዝገበረ ፅኑዕ ምሕዝነት ካዓ እስካብ ሐዚ ምስዝኾነ ሓይሊ ወይ ሃገር የብልናን። ስለዚ ኣብይን ኢሳያስን ኣብ ዝገብርዎ ዂናት ናብ ሓዴኹም ኣይንውግንን ኢልና ነፃነትና ክንሕልው ዘኽእለና Deterrence የብልናን። 

ናይ ዘይምውጋን ምርጫ የብልናን ካብዘብሉና ምኽንያታት ካልእ ድማ ዘለናዮ ጂኦግራፊ እዩ። ትግራይ ኣብ ሞንጎ ኢ/ያን ኤርትራን ስለዘላ ኣብ ኢ/ያን ኤርትራን ዝግበር ዂናት ዓብዪ ኽፋሉ ትግራይ ምትንካፉ ኣይክተርፎን። ኣብከምዚ ዝበለ ኹነታት Neutral ኾይንካ ክትፀንሕ ዝካኣል ኣይኮነነ። እኳ ድኣስ Neutral ክንኾን ክንብል ከይተዳለና ፀኒሕና ዳሓር ኣደዳ ክሳራን ዕንወትን ኢና ክንኸውን።

ስለዚ፣ ናይ ዘይምውጋን ምርጫ የብልናን ካብ በልና ኣሰላልፋን ‘ሞ ምስ መን ይኹን ዝብል ክምለስ ዘለዎ ሕቶ እዩ።

ኣሰላልፋና ብመንፅር ረብሓና ክኸውን ከምዘለዎ ዘካትዕ ኣይኮነን። ሰለዚ ኣሰላልፋና ቕድሚ ምውሳንና መጀመርታ ረብሓታትና ብንፁር ክንፈልጥ ኣለና፣ ካብኡ ካዓ ረብሓና ዘውሕሰልና ኣሰላልፋ ኣየናይ ምዃኑ ተንቲንና ክንርዳእ ኣለና። 

ስለዚ ኣብይን ኢሳያንስ ብመንፅር ስትራተጂካዊ ረብሓታትና ብሓፂሩ ከምዝስዕብ ንርአ። ኣብዚ ክንርድኦ ዘለና ጉዳይ ብመንፅር ስትራተጂካዊ ረብሓታትና ኣብዪ ዶ ይሓይሽ ኢሳያስ ዝብል ንፅፅር ክንገብር ከለና ካብቲ ዝኸፈአ እቲ ሕማቕ ንምምራፅ ድኣ ‘ምበር ሓዲኦም ካብ ክልቲኦም ንትግራይ ፅቡቕ ክኾኑ ይኽሉ እዮም ኢልና ኣይኮነን።

ኣብይን ኢሳያስን ብመንፅር ስትራተጂካዊ ረብሓታትና

ስትራተጂካዊ ረብሓታትና ብቐንዱ ኣብ 4 ኸፊልና ክንሪኦም ንኽእል። ንሳቶም ድማ ህላወ ህዝብና፣ ምኽባር መንነትና፣ ዘላቒ ሰላምናን ኢኮኖምያዊ ዕብየትናን እዮም። ኣብዪን ኢሳያስን ድማ ብመንፅር እዞም ዝዘርዘርናዮም ረብሓታትና ንገምግሞም። 

  1. ህላወ ህዝብና

ህላወ ህዝቢ ትግራይ እቲ ብቐዳምነት ዝመፅእ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ቕድሚ ህላወ ክመፅእ ዝኽእል ነገር የለን። ኣብ ዝሓለፈ ዂናት ኣብዪ፣ ኢሳያስን ሓይልታት ኣምሓራን ተሻሪኾም ኣብ ህልውና ህዝብና ሓደጋ ወዲቖሞ እዮም። ሰለስቲኦም ኣካላት ኣብ ህልውና ህዝብና ብማዕረ ሓደጋ ዋላ እንተፈጠሩ መበገሲኦም (their intention) ግን ይፈላለይ እዩ።  እዚ ካዓ ዓብዪ ኣፈላላይ እዩ፣ ምኽንያቱ እቲ ሓደጋ ቐፃሊ ድዩ ኣይኮነነ እትፈልጦ ካብቲ መበገሲ (intention) ተላዒልካ ስለዝኾነ።

 ሻዕብያ ኣብ ትግራይ ንዝፈፀሞ ህልቂትን ግፍዕን መበገሲኡ እንተርኢና እቶም ቀንዲ ክልተ እዮም። እቲ ሓደ ንህንፀት ሓዱሽ መንነት ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ትግራይ ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል ፖለቲካዊ ስልሒት ክኸውን ከሎ እቲ ካልእ ካዓ ካብ ሕሉፍ ስዕረት ዝብገስ ቂምን ፅልእን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን እዩ። ካብዚ መበገሲ ተላዒልና እንተገምጊምና፣ ሻዕብያ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ እዚ ትግራይ ናይ ምጥፋእ ዕላማ እዚ ቐፃሊ እዩ። ብግብሪ እንሪኦ ዘለና ‘ውን ንሱ እዩ። ሻዕብያ ንትግራይ መሊአ ከይኣጥፋእኹ ኾሊፋካኒ ብዝብል ክሳብ ምስ ኣብዪ ምብኣስ ‘ውን በፂሑ ኣሎ። ሻዕብያ ሐዚ ‘ውን ዕድል እዩ ዝፅበ ዘሎ። ቐፃሊ ዕድል ኣብ ዝረኸበሉ ግዜ እንደገና ምጥፋእ ህዝቢ ትግራይ ብዝተማለአ ክትግብሮ እዩ ዝሓልም። ቐደም 20 ዓመት ተፀብዩ ብዝረኸባ ዕድል ከምዚ ከጥፈአና ከምዝፈተነ ኹሉ ሐዚ ‘ውን ግዜ እንተተዋሂብዎ ተፀብዩ ከጥፈአና ክመፅእ እዩ። 

ሓይልታት ኣምሓራ መበገሲኦም ንህዝቢ ትግራይ ኣዳኺሞም ታሪኹን መንነቱን ብዘላቕነት ንምውናንን ከምኡ ድማ ወሰንቲ መሬታት ትግራይ ዘሚትካ ምሓዝን እዩ። ሓይልታት ኣምሓራ ኣሰላልፍኦም ምስ ኢሳያስ ስለዝኾነ ፈሊና ንበይኖም ምትንታትን ኣይድለየናን።

ኣብዪ ትግራይ ክወርር ከሎ መበገሲኡ ስልጣንን ስልጣንን እዩ። ኣብ ላዕሊ ከምዝተጠቐሰ ኣብዪ ልዕሊ ስልጣንን ውልቃዊ ዝናን ዝኸይድ ፖለቲካዊ ዕላማ ስለዘይብሉ ኹሉ ዝገብሮ ምስ ምውሓስ ስልጣኑ ዝተተሓሓዘ እዩ። በቲ ዝነበረ ኹነታት ንስልጣኑ ሓደጋ ዝነበረ ናይ ትግይ ልሂቅ ስለዝነበረ ንትግራይ ከዳኽም ተበጊሱ ማለት እዩ። ትግራይ ክትዳኸም ዝደለያ ድማ ተመሊሳ ናብ ዘይትለዓለሉ ብርኪ ስለዝነበረ ምስ ፅልዋታት ኣምሓራን ሻዕብያን ተደማሚሩ እቲ ወፍሪ ናብ ፅንተት (Genocide) ፀርዩ። ኣብዪ ንስልጣኑ ዘተኣማምን ውሕስነት ክሳብ ዝሃብካዮ ብመሰረታውነት ምሳና ዘባእሶ ነገር የለን። 

ካብ ሰለስቲኦም ሓይልታት ፅንተት ማለት ‘ውን ኣብዪ፣ ሻዕብያን ሓይልታት ኣምሓራን እቲ ብ ፖለቲካዊ ሕድገታት (political compromise) ክፍታሕ ዝኽእል ዝነበረ ሽግር ምስ ኣብዪ ዝነበረ ሽግር ጥራይ እዩ። ሻዕብያን ሓይልታት ኣምሓራን ሽግሮም ምስ መንነትና ‘ውን ዝተተሓሓዘ ስለዝኾነ ብፖለቲካዊ ሕድገታት ክትፈትሖ ትኽእል ሽግር ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዪ ንስልጣኑ ሽግር ከምዘይንኸውን ውሕስነት እስካብ ዝሃብናዮ ንህላወና ሓደጋ ኣይኸውንን ኢልና ክንድምድም ንኽእል።

ክነጠቓልሎ ከለና፣ ብመንፅር ህላወ ህዝብና እንተርኢናዮ ኢሳያስ ኹሉ ግዜ ንህላወ ህዝብና Absolute ሓደጋ ክኸውን ከሎ ኣብዪ ግን ብፍፁም ሓደጋ ኣይኮነን ዋላ ‘ኳ ኣንተዘይበልና ዝሓሸ ግን እዩ። ብእንካ ሃባ ክፍታሕ ዝኽእል ምስ ኣብዪ ዘለና ሽግር ጥራይ እዩ። ስለዚ ብመንፅር ህላወ ህዝብና ኣብ ሞንጎ ኣብይን ኢሳያስን ዂናት እንተድኣተላዒሉ ምስ ኣብዪ ምስላፍ ከምዘርብሐና ክንድምድም ንኽእል። 

  • ምኽባር ትግራዋይ መንነትና 

ከም ህዝቢ ህላወና ምስኣረጋገፅና መንነትና ክነኽበር ክንደሊ ተፈጥሮኣዊ ድሌት እዩ። ብቛንቋና ክንዛረብን ክንመሃርን፣ ባህልና ክነዕቢ፣ ታሪኽና ክንዕቅብ፣ ብመንነትና ከይንሸማቐቕን ከይንብደልን ወዘተ። ልዕል ኢልና ከምዝረኣናዮ ሽግር ሻዕብያ ምስመንነትና ዝተኣሳሰረ እዩ፣ ማለት ‘ውን ኣብ ኤርትራ ሓዱሽ መንነት ክሰርሕ እንተኾይኑ ተጋሩ ወይ ክጠፍኡ ወይ ‘ውን መንነቶም ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል መርገፂ ዘለዎ እዩ። ስለዚ በዚ መንፅር እውን ሻዕብያ ዘይትዓረቕ ሽግር ዝፈጥር እንትኸውን ኣብዪ ግን እንተንኣሰ መንነት ትግራዋይ ከይኣጥፋእኹ ሞይተ እርከብ ኣለኹ ዝብል መርገፂ የብሉን። እዚ ማለት ግን ኣብዪ ፈታዊና እዩ ማለት ኣይኮነን። ኣብዪ ስልጣኑ ንምፅናዕ ትግራይ ክትዳኸም ድሌት ክህልዎ ግድን እዩ። እንተኾነ ግና ከም ሻዕብያ ቀዳማይ ዕላምኡ መንነት ትግራዋይ ንምጥፋእ ገይሩ ዝሰርሕ ኣይኮነን።

  • ዘላቒ ሰላምናን ፀጥታናን

ሓደ ህዝቢ ህላውኡ ምስ ኣረጋገፀን መንነቱ ምስ ኣኽበረን ሰላምን ርግዓትን ዘለዎ ሂወት ድማ ይደሊ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕድሕድ ወሎዶ ዂናት እናተኣናገደ ሰላምን ርግዓትን ዝዓሰሎ ናብራ ካብ ዝስእን ኣማኢት ዓመታት ኾይኑ ኣሎ። ዂናት ከይረኣየ ዝሓለፈ ወለዶ ትግራይ የብልናን። እዚ ግን እስካብ መዓዝ? እዚ ብቐንዱ ስኣን ኣንዊሑ ዝእምት ፖለቲካዊ መሪሕነት እናተፈጠረ ዝመፀ ሽግር እዩ። ሐዚ ‘ውን እንተኾነ ፀግን ፀግን ዝዓይነቱ ኣካይዳታት ዘይኮነ ነዊሕ ዝጠመተ ስትራተጂካዊ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓእን የድልየና። ኣብይን ኢሳያስን ብመንፅር ሰላምናን ፀጥታናን እንተርኢናዮም ሻዕብያ ዝዓበየ ጠንቂ ሰላምናን ፀጥታናን ኣዩ። እቲ ሓደ ምኽንያት ሻዕብያ ህዝቢ ትግራይ ከየጥፈአ ስለዘይድቅስ ክኸውን ከሎ እቲ ካልእ ምኽንያት ድማ ትግራይን ኤርትራን ብዘለወን ጂኦግራፍያውን ባህላውን ቕርበት ኲሉ ግዜ ፖለቲካ ኤርትራ ልዕሊ ፖለቲካ ፍንፊኔ ስለዝፀልወና እዩ።

  • ኢኮኖምያዊ ዕብየትናን ስልጣነናን

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኽ ሓደ እዋን ኣብ ዓብይ ፀፍሒ ስልጣነ ዝነበረ ህዝቢ እዩ። ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኾይኑ ብዘይነፅፍ ዂናትን ዕግርግርን ኸባቢና ግን ኣብ ጭራ ዓለም ተሪፉ። ህዝቢ ትግራይ ህላውኡ ኣረጋጊፁ፣ መንነቱ ኣኽቢሩ፣ ሰላሙ ሓልዩ ጥራይ ደቂሱ ክነብር ዝደሊ ህዝቢ ኣይኮነን።  ካብኡ ዝዘለለ ናብ ንቡር ስልጣንኡ ናይ ምምላስ ሕለሚ ኣለዎ። 

ፈተና ፀላእና ኢኮኖምያዊ ዕብየት ህዝቢ ትግራይ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝተኣሳሰረ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ንኢኮኖምያዊ ዕብየቱ ካብ ኣብ ፍንፊኔ ዘሎ ስርዓት ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት የገድሶ ማለት እዩ። ሐዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ድማ ይትረፍ ንሓበራዊ ዕብየት ምሳና ሓቢሩ ክሰርሕ ንህላወና ‘ኳ ከየጥፋእኽኹም ዝብል ስለዝኾነ ንምውጋዱ ምስራሕ ንረብሓና ይኸውን ማለት እዩ። 

ስለዚ ኣብ ላዕሊ ንምርኣይ ከምዝፈትንናዮ፣ ኣብይን ኢሳያስን ዂናት እንተኸፊቶም ብመንፅር ኹሎም ስትራተጂክ ረብሓታትና ኢሳያስ/ሻዕብያ ንምጥፋእ ምስራሕ ከምዘርብሐና ኢና ክንድምድም ንኽእል። ከም መጠቓለሊ ክንብሎ ንኽእል ውዕሊ ፕሪቶርያ ካብ ዳግም ጥፍኣት ምሉእ ምክልኻል ከምዝገብረልና ኣምሲልና ዝሓዝናዮ ስእሊ ግጉይ ምዃኑ ተረዲእና፣ ውዕሊ ፕረቶርያ ከምቲ ሐዚ እንሪኦ ዘለና ሓይልታት ፅንተት እንተፈላልይዎም ንባዕሉ ዓብዪ ነገር ምዃኑ ተረዲእና ነታ ዝተረኸበት ዕድል ብጥንቃቐን ጉርሕን ክንጥቀመላ ከምዘለና ክንርዳእ ኣለና። ዘለና ዕድል ብግዚኡን ብኣግባቡን እንተዘይተጠቒምናሉ በቲ ውዕሊ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዳግም ናብ ኺዳኖም ዝምለስሉ ዕድል ክፍጠር ይኽእል እዩ። ውዕሊ ፕሪቶርያ ሕገ-እዚኣብሄር ኣይኮነነ ዘይቕልበስ። ስለዚ፣ ዂናት ኣብይን ኢሳያስን ዘይተርፍ ኣንተኾይኑ ብዝተፈጠረ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ ሻዕብያ ምእላይ ንዘላቒ ረብሓና እዩ። ወለድና ኣብ ሻዕብያ ዝሰርሕዎ ‘ሞ ኸቢድ ዋጋ ዘኽፈለና ጌጋ ክድገም የብሉን። ቕድሚ 20 ዓመት ሻዕብያ ባዕሉ ብዝወልዖ ዂናት ኣብክንድምጥፋእ ኣብ ስልጣኑ ክፀንሕ ብዝተገበረ ስትራተጂካዊ ጌጋ ምፅናት ዘርኢ በፂሑና እዩ። እቲ ሕቶ ሐዚ ኸ ዝብል እዩ? ብዝተረኸበ ዕድል ሻዕብያ ኣጥፊእና ዶ ህላወ ህዝብና ነውሕስ ንኸውን ወይስ ጌጋ ወለድና ብምድጋም ሻዕብያ ክቕፅል ብምግባር ተመሊሱ ኣብ መፃኢ ህዝብና ከጥፍእ ዕድል ንህቦ ንኸውን? 

ኣሰላልፋና ኣንፃር ሻዕብያ ክኸውን ኣለዎ ማለት ግን ግድን ዂናት ክንገጥም ኣለና ማለት ኣይኮነነ። ዂናት ንምውጋድ ዝኸኣልናዮ ክንገብር ኣለና። ዂናት ዝፈጥሮ ጥፍኣት ብታሪኽ ኣይኮናን ንፈልጦ። ግን ዂናት ናይ ምህላዉን ዘይምህላዉን ወሰንቲ ኣይኮንናን። ይትረፍ ዂናት ክህሉ ንዘይክህሉ ክንውስን ብዝኾነ ምኽንያት ምስተልዓለ ‘ውን ኣብቲ ዂናት ናይ ዘይምስታፍ ምርጫ የብልናን (ኣብ ላዕሊ ከምዝተብራህረሀ)። እንብሎ ዘለና እቲ ዂናት ብዝኾነ ምኽንያት እንተተጀሚሩ ‘ሞ ምስታፍና ግድን እንተኾይኑ ኣሰላልፋና ኣንፃር ሻዕብያ ክኸውን ኣለዎ ኢና ንብል ዘለና። ኣሰላልፋና ኣንፃር ሻዕብያ ክኸውን ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነ ብስሩ እቲ ኣጋጣሚ ዘላቒ ፍታሕ ንምምፅእ ክንጥቀመሉ ኣለና (ምስታፍና እንድሕር ዘይተርፍ)። ናይዚ ተኽእሎ ሓሲብና ካዓ ብኣግኡ ክንዳሎ ኣለና።

ክንዳሎ ኣለና ክንብል ከለና እንታይ ማለት እዩ?  ክንዳሎ ኣለና ክንብል ከለና ብወትሃደራዊ መዳይ ጥራይ ዘይኮነ ልዕሊ ኹሉ ብ ፖለቲካዊ መዳይ ክኸውን ኣለዎ። ፖለቲካዊ መሪሕነትና ንኸምዚ ዝበሎ ዝተሓላለኹ ምርጫታትን ብድሆታትን ክመርሕ ዓቕምን ብቕዓትን ዘለዎ ምዃኑ ክነረጋግፅ ኣለና። እቲ ሐዚ ዘለና መሪሕነት ከምዚ ዓይነት ብቕዓት ከምዘይብሉ ብተግባር ተፈቲኑ ተራእዩ እዩ። ስለዚ እዚ ምስትኽኻል ክሕለፍ ዘይኽእል መጀመርታ ክስራሕ ዘለዎ ናይ ውሽጥና ዕዮ ገዛ እዩ። እዚ እንተዘይጌርና ምስ ናይ ደገ ፀላኢ ገጢምና ወይ ስዕረት ኢና ክንጉልበብ እንተሰዓርና ‘ውን ብመስዋእቲ ዝመፀ ዓወት ብፖለቲካ እዩ ክሕምሸሽ። 

ቕድሚ ኹሉ ክስርሑ ዘለዎም ዕዮ ገዛታት ውሽጥና 

 ኹሉ ግዜ ናይ ደገ ፀላኢ ቕድሚ ምግጣምካ ውሽጥኻ ኢኻ ተጠናኽርን ተዕርን። ዘለካ መሪሕነት ብቑዕ ምዃኑ፣ ጉጅለኣዊ ዘይኮነስ ንፁር ናይ ህዝቢ ዕላማ ከምዘለዎ ተረጋግፅ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ህዝብኻ ሓድነትን ሓበራዊ ርድኢትን ከምዘሎ ተረጋግፅ። ከምዚ ዓይነት ሃዋህው እንተዘይፈጢርና ግን ሓደ ህልውናና ካብ ሓደጋ ኣይወፅእን፣ ምስ ፀላኢ እንተገጢምና ድም ዝበኣሰ ኺሳራ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ላዕሊ ከምዝተጠቐሰ ወይ ስዕረት እዩ ከጋጥም፣ ኣጋጣሚ ኾይኑ እንተስዒርካ ድማ ብመስዋእቲ ዝመፀ ዓወት ብፖለቲካ እዩ ክሕምሸሽ።

ኹልና ክንፈልጦ ዘለና ድማ ኣብዙ ሐዚ እዋን ብቕዓት ዘለዎ፣ ንፁር ብሄራዊ ዕላማ ዘለዎ መሪሕነት የብልናን። እቲ ዘሎ መሪሕነት ደጋጊሙ ሒዙና ዝወደቐ መሪሕነት እዩ። እዚ መሪሕነት ካብ ድሮ ምጅማር ዂናት ፅንተት ጀሚሮም ዝነበሩ ሕድሕድ መድረኻት ቓልሲ ማለት’ውን ቕድሚ ዂናት፣ እዋን ዂናትን ድሕሪ ዂናትን ዝነበሩን ዘለዉን መድረኻት ኹሎም ናይ ስዕረትን  ዕንወትን መድረኻት ኾይኖም ክዛዘሙ ዝገበረ መሪሕነት እዩ። ቕድሚ ምጅማር ወፍሪ ፅንተት ከም መንግስቲ መጠን ንህዝቡ ክከላኸል ዘኽእሎ ምድላው ብዘይምግባር፣ ኣብ እዋን ዂናት ወፍሪ ፅንተት ነቶም ወትሃደራዊ ዓወታት ብፖለቲካዊ ድኽመታትን ሽፈጣትን ብምሕንሻሽ፣ ድሕሪ ውዕሊ ሰላም ድማ እታ ዘላቶም ውስንቲ ዓቕሚ ኣብ ክንድ ንዳግመ ሕወየትን ንዘላቒ መወፃፅኦን ምጥቃም ንስልጣንን ጉጅለኣውን ውልቃውን ረብሓታትን ብምውዓል ንኹለን መድረኻት ቓልሲ ሓንሺሾመን እዮም። ከምዚ ክኸውን ካብ ዘኽኣሉ ብዙሓት ምኽንያታት ኣቶም ቀንዲ ዝዕቡ እዮም።

  1.  እቲ መሪሕነት ፍፁም ብቕዓት ዘይብሉ እኽብካብ ናይ ኔትዎርክ ብምዃኑ።
  2. ዕላማ እቲ መሪሕነት ምስ ዕላማ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ዘይኸይድ ግን ድማ ዕላምኡ ብዕሊ ንምግላፅ ቕንዕና (Integrity) ዘይብሉ መሪሕነት ብምዃኑ።
  3. ብልሽውና ካብ እግሩ እስካብ ርእሱ ዝወሓጦ መሓውር መሪሕነት ብምዃኑ ይርከብዎም።

ከምዚ ዝበለ መሪሕነት ሒዝካ ምስፀላኢ ምግጣም እናረኣኻ ናብ ገደል ምእታው እዩ። ስለዚ  እዚ ነገር ክቕየር ኣለዎ። ንኹሉ ዓቕምታት ትግራይ ዘካተት ሓዱሽ መንግስቲ ክምስረት ክኽእል ኣለዎ። ዘላ ብሕታዊት ኣማራፂት እዚኣ እያ። እዚኣ ንምግባር ብዙሓት ዕድላት ኣምሊጦምና እዮም። መጀመርታ ሰራዊት ትግራይ ካብ በረኻ መቐለ ምስኣተወ ክኾን ኔርዎ፣ ኣይተገበረን። ድሓር ‘ውን ድሕሪ መልሲ ደብረብርሃን ክግበር ኔርዎ ኣይተገበረን፣ ዝተመረፀ መንግስቲ ኣይነፍርስን ተባሂሉ ደሓር ከምዚ ፀላኢ ከፍርሶ። ንሳልሳይ ግዜ ድማ ብውዕሊ ሰላም እቲ ዝነበረ መንግስቲ ፈሪሱ ግዝያዊ መንግስቲ ክምስረት ከሎ ናይ መወዳእታ ዕድል ነይሩ ግን ኣይተገበረን። ልዕሊ ረብሓ ህዝቢ ስልጣንን ውልቃዊ ረብሓን ዘቐድሙ ሰባት፣ እሞ ድማ ብቕዓት ኣልቦ፣ ንዘልኣለም ክንመርሕ ኢና ኢሎም ቀፂሎም።  ግን ሐዚ better late than never ከምዝበሃል ንረብዓይ ግዜ እቲ ዕድል ኣሎ።

ኹሉ ዓቕምታት ትግራይ ዝሓቖፈ መንግስቲ ንዘይምምስራቱ ግን ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ወይ ‘ውን ሰባት ጥራይ ኣይኮኑን ተሓተቲ። ኾላይ ናይቶም ሓቛፋይ መንግስቲ ንክምስረት ዝቃለሱ ውድባት፣ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ጉድለት እዩ። ፈትዩ ስልጣኑ ኣሕሊፉ ዝህብ ውድብ ይኹን ውልቀሰብ ኣብ ዓለም ብፍፁም የለን።  እንተስ ብሕጊ፣ እንተስ ብፀቕጢ ህዝቢ፣ እንተስ ብብረት ተገዲዱ ጥራይ እዩ ፖለቲከኛ ስልጣን ዝለቅቕ። ስለዚ ኣብ ትግራይ ንኹሉ ዓቕምታት ዝሓቖፈ መንግስቲ ንክመፅእ እቲ ወሳኒ ነገር ፅዕንቶን ፀቕጥን ናይ’ቶም ለውጢ ክመፅእ ዝቃለሱ ‘ምበር እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል ማ ፈትዩ ስልጣኑ ከካፍል ኣይትፅበዮን። እቲ  ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል ተገዲዱ ንኹሉ ዓቕምታት ዝሓቖፈ መንግስቲ ንምምስራት ፍቓደኛ ንክኸውን ዘኽእል ፀቕጢ ኣይፈጠርናን። እዚ ንምንታይ ዝብል ክፅናዕን ክንዘራረበሉን ዘለና ወሳኒ ጉዳይ ኾይኑ ዕላማ ናይዚ ፅሑፍ ስለዘይኾነ ግን ኣብዚ ክንዓፅዎ።

ምምስራት ሓዱሽ መንግስቲ ክንብል ከለና ግን ኣብቲ ሐዚ ዘሎ ግዝያዊ  መንግስቲ ፌደራል መንግስቲ ‘ውን ብፅሒት ስለዘለዎ  እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ምሉእ ንምሉእ ኣፍሪስካ ከም ሓዱሽ መንግስቲ ምጥያሽ ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዝሓሸ መማረፂ ነቲ ዘሎ ግዝያዊ መንግስቲ መሰረታዊ ብዝኾነ መልክዑ Reform ምግባር እዩ። ንኹሉ ዓቕምታት ትግራይ ከምዝሓቁፍ ጌርካ ምትዕርራይ። ኣወዳድብኡ ‘ውን ከምኡ ካብቶም ብብልሽውና ዝነቀዙ ናይ ኔትወርክ ኣሰራርሓታትን ኣወዳድባታትን ምፅራይ። ኣብ ክልል ዘሎ ላዕለዋይ መንግስቲ እንድሕር ምትዕርራይ ገይሩ ኾይኑ ነቲ ኣብ ወረዳን ጣብያን ዘሎ ዝበስበሰ ኣወዳድባ ክትቕይሮ ኸቢድ ኣይኮነን። ህዝቢ ብቐጥታ ባዕሉ ናይ ወረዳን ጣብያን ኣመሓደርቱ ክመርፅ ምግባር እዩ። እቲ ህዝቢ መን እዩ ቕኑዕ መን እዩ ዘይቕኑዕ ይፈልጥ እዩ፣ ምስኦም ስለዝነብር። እዚ ከም ሓፈሻዊ ሓሳብ ‘ምበር ውድባት፣ ማሕበራትን ምሁራትን ትግራይ ተዛትዮም እቲ ምትዕርራያት ከመይ ክኸይድ ከምዘለዎ ብሉፃት ሓሳባት ክመፅኡ ይኽእሉ ኣዮም።

ከም መጠቓለሊ፣ ምምስራት ሓቛፋይን ብቑዕን መንግስቲ ክሕለፍ ዘይኽእል ንዝኾነ ይኹን ከም ህዝቢ እንገብሮ ምንቅስቓሳት ቕድመ ኹነት እዩ።

ብቑዕን ሓቛፍን መንግስቲ ምስመስረትና ወይ ‘ውን ጎናጎኒ ክንገብሮ ዘለና ነገር ድማ ኣሎ፣ ስትራተጂካዊ መሓዙት ምፍራይ። ብሄራውያን ሓይልታት ኦሮሞን ፈተውቲ ትግራይ ኤርትራውያንን ስትራተጂክ ፈተውቲ ትግራይ እዮም። ምስ እዞም ሓይልታት እዚኣቶም ርክብን ምሕዝነትን ምጥንኻር የድሊ። ምስ ካልኦት ዓለምለኸ ሓይልትት ‘ውን ከምኡ።

ኣታሕዛ ልእላውነት ኤርትራ

ምስ ሻዕብያ ኣብዝህሉ ጎንፂ ተደጋጊሙ ዝለዓል ዓብዪ ኣጀንዳ ጉዳይ ልእላውነት ኤርትራ እዩ። ተጋሩ ምስ ሻዕብያ ኣብዝህልወና ናይ ፖለቲካ ኾነ ናይ ሓይሊ ጎንፂ እቲ ተረኽ ብጥንቃቐ ምሓዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንሕና ሽግርና ኣንፃር ህላወና ምስዝኾነ ሻዕብያ ዝበሃል ሓይሊ እዩ። ልእላውነት ክንደፍር ወይ ‘ውን መሬት ይኹን ባሕሪ ደሊና ኣይኮንናን። ኣብ ገዛና መፅዩ ንዝቐተለና፣ ዝሰረቐና፣ ኣዋልድና ዝዓመፀ ሓይሊ፣ ‘ሞ ድማ ተመሊሱ ተግባሩ ክደግሞ ንዝደሊ ሓይሊ ግን ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ክነጥፍኦ ተፈጥሮኣዊ መስል ኣለና፣ ዓርሰ ምክልኻል ስለዝኾነ። ዓርሰ ምክልኻል ብ ልእላውነት ዝግደብ ኣይኮነን፣ ናይ ምንባር መሰል ልዕሊ ልእላውነት ሃገራት እዩ። ብመጀመርትኡ ‘ውን ሻዕብያ ልእላውነትና ጥሒሱ አብ ገዛና መፅዩ እዩ ቐቲሉና። ንሱ ኣብ ዓድና መፅዩ ክጭፍጭፈና ልእላውነት ዘይገደቦ ንሕና ዓርስና ንምክልኻል ልእላውነት ክግድበና ኣይኽእልን። እዚ ኹሉ ሰብ፣ ብፍላይ ካዓ ኤርትራውያን ክርድእዎ ንደሊ ኢና። ስለዚ እቲ ተረኽ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዶ ገለ ዶ ዝተሓሓዝ ዘይኮነስ ብኸምዚ ብልክዕ ክነቕምጦ ኣለና። ልእላውነት ኤርትራ ናይ ምድፋር ዕላማ ድኣ የብላናን ‘ምበር በቲ ኻልእ ወገን ድማ ልእላውነት ኤርትራ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኾነ ድሌት ‘ውን የብልናን።  ናይ ልእላውነት ኤርትራ ኣንፃር ኣይኮንና ተኸላኸልቲ ኣይኮንና። መርገፂ ክንሕዘሉ ካዓ ኣይንግደድን፣ ምኽንያቱ ንሕና ኣብ ናይ ህላወ ቓልሲ ኢና ዘለና። 

ስለዚ ምስ ሻዕብያ ኣብ ዝግበር ግጭት መሓዙት እንተተረኺቦም ምስኦም እንተሓባበረሉ እንኮ ረቛሒ ብኣንፃር ህላወና ዝህልዎ ረብሓ ‘ምበር ካልኦት ኣብ ግምት ክነእቱ የብልናን። ምስ ኣብዪ ዝግበር ምትሕብባር እንተሃልዉ ካዓ ኣብዪ ኣብ ልእላውነት ኤርትራ ዘለዎ መርገፂ ብዘየገድስ እቲ ምትሕብባርና በዚ ምኽንያት ምኽኑይ ይኸውን። ስለዚ ፈተውቲ ትግራይ ንዝኾኑ ኤርትራውያን ክንብሎም ንደሊ፣ ኣብ ናይ ህላወ ሕቶ ምልክት ዘሎ ህዝቢ ልእላውነትና ተኸላኸል (ልእላውነትና ምስ ዝግህሱ ኣይትተሓባበር ምባል ፍትሓዊ ኣይኮነን። ልእላውነት ቕድሚ ህላወ ቐዳምነት ስለዘይወሃቦ። 

ተዛዚሙ።

Editor’s Disclaimer:

The above opinion piece is written by a contributor and reflects their personal views and perspectives. It does not necessarily represent the views or opinions of the editorial team, publication, or organization behind UMD Media. We believe in providing a platform for diverse voices and opinions, and encourage our readers to engage critically and thoughtfully with the content. As with any opinion piece, the ideas and arguments presented are subject to individual interpretation and debate.

We welcome feedback and constructive discourse on the topics presented in this piece. If you would like to submit a response or share your own perspective, please contact us at [email protected].

Thank you for your continued readership and support.

UMD Media

View all posts