“እዞም ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ ንምዝካር፣ ብትግራይ ደረጃ ካብ ጥቅምቲ 1 ክሳብ ጥቅምቲ 3 /2016 ዓ/ም ግእዝ ዝጸንሕ ናይ 3 ማዓልቲታት ናይ ሓዘን ማዓልቲ ምእዋጁን ህዝብና ዝተሰዉኡ ወገናቱ ዝርደአሉ እዋን ምዃኑን ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ኣሜሪካ ንንነብር ደቂ ትግራይን ፈተውቲ ትግራይን እውን ነቲ ዘለና ናይ ናብራ ኹነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ October 14ን October 15 / 2023 ክነኽብሮ ንፅውዕ ። ከም ህዝብና በብስብስቴቱ ዘለ ኽን ኮምዩኒቲታትና ሓላፊነት ወሲ ድክ ን ን ንኩለን ማሕበራትና እውን ኣተሓባቢ ርክርክን ብፍፁም ናይ ሓድነት መንፈስ እዙ ናይ ብሄራዊ ሓዘንና ንክብሪ ሰማእታትና ብዝምጥንን ኩላትና እውን ሓዘንና ብነውፀአሉን መንገዲ ኮይኑ ንኽሳለጥ ATAD America ብልዑል ኣኽብሮት ይፅውዕ። በዚ ኣጋጣሚ፣ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መኸተ ዓመታት ኮምዩኒቲታትና ንዝተፃወትክነኦ መተካእታ ዘይብሉ ልዑል ግደ ክብሪን ኣፍልጦን ይግበአክን።”

UMD Media

View all posts