UMD Media, April 27, 2025
1) 27 ታሕሳስ 2016 ዓም
ንክልተ ወርሒ ዝተኣከበ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ታሕሳስ 27 2016 ዓም ናይ መወዳእታ ምዓልቲ ኣኼብኡ ተብሂላ ነይራ:: ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ካብ ኣቦ ወንበርነቶም ተላዒሎም ከም ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ክፅንሑ ተወሲኑ ነይሩ:: ኣብ ናይ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄር ድማ ካብ ምክትል ኣዶ ወንበርነት ወሪደን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ኮይነን ኽቅፅላ ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ ናብ ድምፂ ቅድሚ ምኻዱ ብዘይ ድምፂ ንክዕዘቡን ሓሳብ ክህቡን ኣትዮም ካብ ዝነበሩ ዝተወሰኑ ናይ ሰራዊት ኣዘዝቲ ጄነራል ፍስሓ ኪዳኑ (ፍስሓ ማንጁስ) ዝርከብዎም ኣዘዝቲ ነቶም መራሕቲ ምውራድ ነቲ ውድብ ምፍራስ እዩ ኢሎም እቲ ኣኼባ ንድሕሪት ተመሊሱ እንደገና ክርአይ ከም ዘለዎን ክቕፅል ከም ዘይብሉን ተዛሪቦም ጠጠው ኣቢሎምዎ:: ስርሕ ብድምፂ እንዳወሰነ ዝፀንሐ ማእከላይ ኮሚቴ ብዘይ ድምፂ ንክዕዘቡን ሓሳብ ክህቡን ብዝኣተዩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ደው ክብል ተገይሩ:: ዳሓር ጥር 19 2016 ዓም ብሽምግለታት ሓሳብ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምክትል ኣቦ ወንበር፤ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኮይነን ዶ/ር ደብረፅዮን ተመሊሶም ኣቦ ወንበር ክኾኑ፤ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ካብ ፈፃሚት ህወሓትን ካብ ሓላፊነት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ተልዒሎም ናብ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣባልነት ክወርዱ ተገይሮም፡፡
2) 15 ጥሪ 2017 ዓም
ብስም ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝወፀ መግለፂ ቅዋም “50 እንትድመር ሓደ ብፅሒት ዘለዎ ተደራዳሪ ፕሪቶሪያ ዝኾነ መበል 14 ጉባኤ ዘካየደ ህወሓት ግዚያዊ ምምሕዳር ንምትዕርራይ ዝወሰኖ ውሳነ ብዘይውዓል ሕደር ተግባራዊ ክኾን ድጋፍና ንገልፅ” ኢሉም፡፡
ብድሕሪኡ እቶም ነዚ ቅዋም ዘውፅእዎ ካብ ኮር ንላዕሊ ኣዘዝቲ ኢሎም ዝፍለጡ ኮይኖም፡፡ ክሻብ እቲ መግለፂ ሰራዊት ትግራይ ኣብናይ ውድብ ፖለቲካ ኣይኣቲን ዝብል እምነት ተገዲፉ ውግንና ሰራዊት ናብ ሓደ ውድብ ጥራሕ ተይኮነስ ካብ ሓደ ውድብ’ውን ናይ ሓድ ፍንጫል ውድብ ከምዝኮን ገይሮምዎ፡፡ ድሕሪ 15 ጥሪ 2017ዓ.ም እቲ ብ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ዝመርሖ ታሕተዋይ መሓውር ናብ ቅሉዕ ናይ ሓይሊ መማረፂ ብምእታው ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር በቢቦቱኡ ክህደኑ ጀሚሮም። ናይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፍንጫል ህወሓት ንምይይጥ ኣዳሊዎ ኣብ ዝተብሃለ ዩኤምዲ ሚዲያ ዝረአዮ ስነድ “መንግስቲ ከይሰርሕ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘለዉ መሓውራቱ በብማዕልቱ እናተሃደኑ ክእሰሩን ክበሳስበሱ፣ ቢሮታት ክዕፀውን ክኽበቡን፣ ማሕተማት ብተለኣአኽቲ ክምንጠሉ፣ ብሓፈሻ ህዝብን መሓውር ግዝያዊ ምምሕዳርን ተረጋጊዖም ከይሰርሑ ብምግባር ህዝቢ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር እምነት ከየሕድር ዝተዋደዱ ስራሕቲ እናካየዱ መፂኦም እዮም።” ይብል፡፡ ሓድነት ሰራዊት ትግራይ ምጉዳእ ጀሚሩ፡፡ ከም እቲ ሰነድ እንተኾይኑ “እዚ ውሳነ ፈለማ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣፈላላይ ክፍጠርን ካብቶም 15 ኣዘዝቲ ኣርምታት እቶም 6 ኣዘዝቲ ነቲ ውሳነ ነፂጎም ካብቲ መድረኽ ክውፅኡ ዘገደዶም ኩነታት ክፈጥር ክኢሉ እዩ። እዚ ከዓ ኣብቲ ኣጋር ሰራዊት ሰፊሕ ኣፈላላይ ክፍጠር ገይሩ እዩ።”
3) መጋቢት 3 2017 ዓም
ድሕሪ 3 መጋቢት 2017ዓ.ም እቲ ካብ ኮር ንላዕሊ ብዝብል ውሳነ ንምትግባር ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ ማሕተም ናብ ምእራይን ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ናብ ምህዳንን ኣትዩ።
ብኣገላልፃ ናይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፍንጫል ህወሓት “ማሕተም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ህዝቢ ሰፊሕ ተቐባልነት ኣለዎም ዝብልዎም መራሕቲ ብእርይ ቁፅር ብምህዳን ገሊኡ ክእሰር፣ ገሊኡ ክርሸን እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ዝብልዎ ድማ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣሕሊፎም ክሕብዎ ወሲኖም ከዓ ካብ 3 መጋቢት 2017ዓ.ም ጀሚሮም ናብ ርኡይ ምንቅስቓስ ኣትዮም እዮም። “
ብድሕሪዚ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ከተማታት እናሓደገ ናብ ዘኽእሉዎ ማእኸላት ንምውፃእ ተገዲዱ። ካብዚ ብምብጋስ ከዓ ሰራዊት ትግራይ በብውልቅኡ የዋፅእ እዩ ዝብሎም መፍትሕታት ናብ ምእላሽ ከምርሕ ጀሚሩ። ነናብ ዝፈልጦም ከባቢታት ከብታተን ጀሚሩ ኣሎ።
“ድሕሪ 3 መጋቢት 2017ዓ.ም ድማ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ላዕለዋይ መሪሕነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዘኽእሎም ውሳነታት ስለዘሕለፉ ዝበዝሕ ኣመራርሓ ነናብ ዝመረፆም ማእኸላት ተዋፊሩ ናብ ሓዲስ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ተዋፊሩ ኣሎ።“ ይብል ብ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት፡፡
“ድሕሪ 15 ጥሪ 2017ዓ.ም ከዓ ካብ ኮር ንላዕሊ ኢሉ ንባዕሉ ዝሰየመ ወታደራዊ ጉጅለ ንግዝያዊ ምምሕዳር ከምዘይቕበልን ብእኒ ደብረፅዮን ንዝምራሕ ፍንጫል ደጊፉ ከምዝቃለስን ዕላዊ ገይሩ። መሳሳያይን ልኡኽን ጉጅለ ደብረፅዮን ዝኾነ እዚ ወታደራዊ ጉጅለ ውሳነታቱ ንምትግባር ዝተዋደደ ሓያል ምንቅስቓስ እናገበረ ድሕሪ ምፅናሕ 3 መጋቢት 2017ዓ.ም ከዓ ላዕለዋት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምእሳር መንግስቲ ንምቁፅፃር ወሲኑ ናብ ተግባር ስለዝኣተወ ኣመራርሓ ትግራይ ካብ መቐለ ክወፅእ ተገዲዱ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ቀልቀል ጥፍኣት ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዕብራን መተኰሻ ኮይኑ ኣሎ።” እውን ይብል ንምይይጥ ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ፡፡
ኣይተ ጌታቸው ረዳ መጋቢት 2 2017 ካብ መቐለ ወፂኦም፡፡ ምስ ዩኤምዲ ሚድያ ኣብ ዝገብረዎ ፃንሒት እቲ ኬላ ዘሕለፎም ተጋዳላይ ከምዝተኣሰረን እቲ ተኸታቲሉ ናብ መዕረፎ ነፍርቲ “ንምንታይ ኣሕሊፍክዎም ” ኢሉ ዝበልዎ አዛዚ ኣወጣኻኝ ዝብሃል ኣዛዚ ኮር ከምዝኾነን ድሕሪኡ ልሂወቶም ከምዝሰግኡ ከምዝገለፁ ይዝከር፡፡ እስካብ ሐዚ ኣይተመለሱን፡፡
Add comment