መንግስተኣብ ፀጋይ ለካቲት 26፤ 2017 ዓም
ንዓሰርተታት ዓመታት ናብ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ናብቲ ንኡስ ወለዶ ክውዝዑ ዝፀንሑን ክሳብ ሐዚ እንተኾነ ከይተበደሁ ወይ challenge ከይተገብሩ ዝጋወሑ ዘለዉ ሰለስተ ቀንዲ ንፋሖታት 11 ለካቲት ኣለዉ፡፡
ቀዳማይ – ብርሃን ውፁዓት እያ ዝብል ፅዋ
11 ለካቲት ብርሃን ውፁዓት እያ ዝብል ፅዋ መሰረታዊ ጌጋ ኣለዎ’። 11 ለካቲት ምጅማር ቃልሲ እናበልካስ፤ መዛዘሚ ቃልሲ ከምዝኾነ ጌርካ ምዝራብ እዩ። እኳደኣስ 20 ጉንቦት ብርሃን ውፁዓት እያ ተበልካ ይሓይሽ ይኸውን ፣ ምኽንያቱ 20 ጉንበት መዛዘሚ ናይቲ 17 ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ ስለዝኾነት ካብኡ ስዒቡ ዝመፀ “ብርሃን” እንተሃልዩ ክፅዋዕ ዘለዎ በቲ ዝተረኸበሉ ወቕቲ እዩ ክኾን ዘለዎ። ብሱሩኸ ኣብ ትግራይ ብዘሎ ጭቡጥ ሓቂ “ብርሃን” ዝረኸበ ንሕና ዘይንፈልጦ ህዝቢ ኣሎ ድዩ ኾይኑ ! ዝረኸበ ኣሎ ዝብል ሙጉት እዃ እንተ ኣልዓልና እቲ ብርሃን ዝረኸበ ዝበሃል እቲ ውፁዕ ህዝቢ ድዩ ወይስ ናይቲ ስርዓት ሰብ ዋና / patrimonial rulers እዮም ? ኣብ መሬት ዘሎ ጉሁድ ሓቂ ከም ዘሪኤና ካብቲ ዝተረኸበ ዓወት ንላዕሊ ብሽም ህዝቢ እቶም ቀንዲ ተበለፅቲ ኮይኖም ዝተረኸቡ እቶም ሓደሽቲ ገዛእቲ / new class ዶ ኣይኮኑን። ከምዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ካብ ዝርከቡ ድኻታት ህዝብታት ሓደ እዮ ። ኣስታት 27% ዝኾውን ህዝቢ ትሕቲ ድኽነት ማለት ትሕቲ ሓደ US ዶላር መዓልታዊ እቶቱ ዝረኽብ ኾይኑ ልዕሊ 15% ዝኾውን ድማ ኣብ ትሕቲ safety net program ተሓቑፉ መነባብረኡ ዝደፍእ ምስኪን ማሕሰብ እዮ ። ብኣንጻሩ ግን 17 ዓመት ተቃሊስና ተዓዊትና፣ሓዱሽ ስርዓት ተኺልና ፣ብርሃን ኣምጺእና ዝብሉ ሓደሽቲ ገዛእቲ ግና ውልቃዊ ናብራኦም ኣደልዲሎም ኣብ ልዕሊ ኣቲ ዝስተ ፁሩይ ማይ እኳ ብሙሉእነት ዘይረክብ ዉፁዕ ህዝቢ “ብርሃን “ ኣምጺእናልካ ብዝብል ብደዐ ኣብ ልዕሊ እቲ ከርፋሕ ናብራኡ ሕንኽ ከይበሉ የባጭውሉ ኣለዉ ።
ካልኣይ – ልደት ህወሓት እያ ዝብል ኣምር
11 ለካቲት ልደት ህወሓት እያ ዝብል ኣምር እዩ። ብ1967 ዓ/ም ዝተመስረተ ውዳበ የለን፤ እኳ ዳኣ ኣብቲ እዋን ዝተመስረተ ውዳበ ኣሎ እንተተባሂሉ ማ.ግ.በ.ት (ማሕበር ገስገስቲ ብሔር ትግራይ) እዩ።
By the way, ኣብ ሞንጎ ውዳበን ውድብ ዘሎ ኣፈላላይ ብዙሕ ስብ ብደምቢ ነጺሩ ኣይፈልጦን ። ውዳበ ማለት group ማለት ኮይኑ ብሕጊ ኣፍልጦ ዘይተውሃቦ ኣካል ወይ ድማ ምትእኽኸብ እናሃለወ ኣብ ፖለቲካን ዘይፖለቲካዊ ጉዳያትን ንምዕማም ሰባት ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ክዋፈሩ ከለዉ ንምግላጽ ዝወሃብ ሽም እዩ። ብኣንጻሩ ውድብ ማለት ግና political party ማለት ኮይኑ ኣብቲ ዝንቀሳቐሰሉ ሃገር ብዘሎ ሕጊ ተመዝጊቡን ኣፍልጦ ረኺቡን ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዘካይድ ጥርናፈ ማለት እዩ ።
ስለዚ እዚ ውዳበ ማለት ማ.ግ.ብ.ት እዩ ቀስ ብቐስ ኣብ ከይዲ ናብ ህወሓት ዝተቐየረ። ብዓይኒ ሓቂ /dry facts ማ.ግ.ብ.ት ዝተመስረተትሉ ዓመትን ወርሕን መዓልትን ምስ ልደት ህወሓት ምዝማድ ድንቁርና እዩ። ህወሓት ዝተመስረተ ኣብ 1970-1971 ኣብ ዝተገበረ ቀዳማይ ጉባኤ እዩ። ስለዚ ህወሓት ዝበሃል ውዳበ /rebel Group/ ዝተፈጠረት ኣብ መጀመርታ 70ታት እምበር ኣብ መወዳእታ 60ታት ኣይኮነን። ይኹን እምበር እቲ ሐዚ ኣብ ክልተ ተክፊሉ ዘሎ ውድብ ሕወሐት ከም ፖለቲካ ውድብ ብወግዒ ዝተመስረተ ብ 1987 ዓም ብናይ ኢትዮጲያ ሕገ መንግስቲን ብኡ ተከኸቲሉ ብዝወጸ ናይ ፖለቲካ ፓርቲታት ኣዋጅ መሰረት እዩ። ስለዚ ውድብ ሕወሐት ዕድሚኡ ኽቆጽር ተደልዩ ፖለቲካ ፓርቲ ካብ ዝኾነሉ ዘመን ዘሎ እምበር ዓማጺ ውዳበ/ rebel group ካብ ዝነበረሉ እዋን ኣይኮነን ።
ሳልሳይ – ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እያ ዝብል ንፍሖ
11 ለካቲት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እያ ዝብል ንፍሖ ታሪክ ንምስራቕ ዝቐርብ ጎበጣ ሓቂ እዩ። ፈለማ ኣብ ሞንጎ ብረታዊ ወይ ድማ ዕጥቃዊ ቃልስን ብሄራዊ ቃልስን ብዕላማን ብውፅኢትን እንትፍትሽ ክልቲኦም እዚዮም ዝተፈላለዩ ስነ ሓሳባት እዮም።
ብረታዊ ወይ ድማ ዕጥቃዊ ቃልሲ ማለት armed struggle እዩ ዝበሃል። እቲ ቀንዲ ዕላማኡ ድማ ነቲ ዝጭቁነካ ትብሎ ስርዓት /regime ብሓይሊ ብረት ክፈርስ ብምግባር ነይ ባዕልኻ ትብሎ ስርዓት ምትካል እዩ ። ብሓፂሩ regime change ምክያድ እዩ። ብኣንፃሩ ብሄራዊ ቃልሲ ማለት ድማ National Struggle ዝበሃል ኮይኑ ዕላማ ናይቲ ቃልሲ ድማ ናይ ባዕልኻ መንግስቲ ምትካል እዩ። ብሓፂሩ state formation ምፍጣር መንግስቲ ኮይኑ ናይዚ ቃልሲ ናይ መወዳእታ ውፅኢቱ ድማ ሃገረ መንግስቲ ምህናፅ /Nation Building እዩ። ስለዚ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ናይ መጀመርያ ብረት ኣልዒሉ ኣንፃር ስርዓት መንግስቲ ኢትዮጲያ ናይ እምቢታ ዓመፅ ዝወለዓ ድማ ቀዳማይ ወያነ እምበር ህውሓት ኣይኮነን። ቀዳማይ ወያነ ዝብል ስም ባዕሉ ሕወሓት ንቲ ታሪኽ ናይ ሓረስቶት ራያን እንደርታን ብናይ ባዕሉ ተረኽ/ Narrative ንምዝንታው ክጥዕሞ ኢሉ ዘውጽኦ ሙዃኑ ከይረሳዕና።
ቀዳማይ ወያነ ብ1950ታት ኣንፃር ስርዓት ሃይለስላሴ ዝተልዓለ ዓመፅ ኮይኑ ቀንዲ ዕላማኡ ድማ regime change እምበር state formation ኣይነበረን። ብተመሳሳሊ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ንፈለማ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ንብሔራዊ ሓርነትን ምምስራት ብሔራዊ መንግስቲን /state formation ዘተጀመረ ብ ግ.ገ.ሓ.ት/ግምባር ገድሊ ሓርነት ትግራይ/ እምበር ብህወሓት ኣይኮነን። ናይ ታሪኽ ጸሓፍቲ ከም ዝጻሓፍዎ እቶም ናይ ማ.ግ.ብ.ት መስረቲ ዝባሃሉ ነን በዓል ኣባይ ጸሃየ ደሓር ናይ መጀመሪያ ናይ ተ.ሓ.ሕ.ት ፖለቲካ ፖሮግራም ዝጸሓፉ ካብ ናይ ግ.ገ.ሓ.ት ፖሮግራም ቀዲሖም ከም ዝኾነ እዮም ዝገልጹ። እቲ ዘሐዝን ግን ህወሓት ንግ.ገ.ሓ.ት ዕላማ ዘይነበሮ ተራ ከተርትን ዓመጽትን ከም ዝነበሩ ሸፋቱ ጌሩ እዩ ንቲ ውዳበ ስሙ ዘጸልሞን ዝጥቅኖን፣ ቀንዲ ምኽኒያት ናይቲ ጸለመ ድማ ናይ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ግ.ገ.ሓ.ት ንዝፈጸምዎ ገበን ቅትለት ንምሽፋንን ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን ዝዓለመ ሙኳኑ ዝፍለጥ እዩ።
መጠቓለሊ
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተቐመጠ 11 ለካቲት ዝተዛበዐ ሽማሽም እናተውሃበ ሓዱሽ ወለዶ ሓቂ ከይፈልጥ ብምድንጋር ናይ ኩሉ ታሪክ በዓል ዋና ኣነ እየ ዝብል ኩቱር ሕማም ዘለዎም መራሕቲ ህወሓት በቀሊሉ ምእንታን ከደናግር ንብዙሕ እዋን ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ሓበሬታ ክመሓላለፍ ተጌሩ እዩ። ስለዚ እዚ ንኡስ ወለዶ ብዝተዛበዐ ሓበሬታ ርእሱ ክመልእዎ ፈቲኖም እዮም። ይኹንእምበር ወለዶታት ተደናጊሮምን ተገዲዶምን ዘይኮነስ በዓልቶም ታሪኽ ተረዲኦምን ፈሊጦምን እዮም ሓደ ታሪኽ ወይ በዓል ከኽብርዎን ክዝክርዎን ዘለዎም። Legacy Matters ይብሉ ጸዓዱ። ሓደ ታሪኽ ወይ ድማ ኩነት ዝዝንቶን ዝኽበርን በቲ ኣብ ሓዱሽ ወለዶ ብዘበርከቶ ትሩፋት /legacy እምበር ብጭርሖ ኣይኮነን። ወይ ድማ ብኣዋጅ በዓል ከኸውን ኣለዎ ስለ ዝበልካ እውን ተኾነ ንግዚኡ ጨቍንካን ኣፈራሪሕኸን ክክበር ክትገብር ትኽእል ትኸውን ፣ nድሕሪ ግዜ ህዝቢ ነፃ ኣብ ዝወጸሉ እዋን ግን ዝጎሓፍ ታሪክ እዩ ዝኾውን።
Editor’s Note: The opinions expressed in the articles published on UMD Media are solely those of the individual authors and do not necessarily reflect the views or opinions of the editorial team or UMD Media as an organization. The publication of any opinion piece does not imply endorsement or agreement by UMD Media. Readers are encouraged to critically evaluate the content and form their own conclusions. Leave your comments below. Send us your thoughts and reflections to umd.media.2020 at gmail dot com.