መሓሪ ታደለ ማሩ

ኣብዚ ወቅቲ ዚ ትግራይ ክልተ ከበድቲ፤ እናተጋደዱ ዝኸዱ ዘለው ሓደጋታትን መሰከፊ ስግኣትን ዝገጠማ እንትኾን: እዚኦም ውን- ቀዳማይ ኣብልዕሊ ተኸሲቱ ዘሎ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ድሕንነታዊን ቅልውላው: እቱ ካለዋይ ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅሉዕ እናኾነ ዝመፅእ ዘሎ ጦርነት፤ ስለዝኾነ ድማ ክልቲኦም ብዝተፈላለየ ብርኪ ህፁፅ ስጉምቲ ይጠልቡ።

ውሽጣዊ ቅልውላው ትግራይ ብናይ ተጋሩ ዓቕሚ ዝፍተሑ ጉዳያት እንትኾኑ፤ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝረአ ዘሎ ከቢድ ናይ ኲናት ፕሮፖጋንዳን ምድላውን ወታደራዊ ምንቅስቃሳትን ናይ ባዕሎም ስነ-ሞጎት ዝኽተሉ እንትኾኑ: ኸምዚ ዓይነቱ ምዕባለ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ውሳነ ንሓዋሩ ሱቅ ኢሎም ዝቕመጡ ዘይኾኑስ-ወይ ናብ ኩናት ወይ ድማ ኾነ ተባሂሉ ናብ ልዝብ ኩነታት (de-escalation) ዝኣትውሉ ዕድል እዩ ዝህሉ። እቱ ምቅርራብ ግጭት ክንዮ ልዕሊ ዓቕሚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምዃኑ ናይ ዓለምለኻዊ ኢድ ኣእታውነት (international preventive diplomacy) ዝጠልብ እዩ።

ውሽጣዊ ቅልውላው ትግራይን ስትራቴጂካዊ መዋፅኦን

ምእንተ ዓርሰ-ዕቀባ/ንገዛእ ህይወት ንምዕቃብ (self-preservation)፥ መሰል-ዓርሰ ውሳነን (self-determination) ክባሃል ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ዝኸፈለ እንትኸውን- ብ ደጋዊ ፀላእቲ ዝገጠሞ ፅንተታዊ ጦርነትን ክትግምቶ ብዘይትክእል መከራን ስቃይን ንዘመናት እናተፃወረ ዝመፀ ህዝቢ እዩ። ንሰላም፥ ንዲሞክራሲ፥ ልምዓትን መሰረታዊ መትከላት ሰብአዊ መሰላትን ዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ብዝኾነ ምክንያት ብደጋዊ ይኹን ብውሽጣዊ ሓይልታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ የብሉን።

ንመራሕቲ ወታደራዊውን ፖለቲካውን ተጋሩ ኮላይ ዝተኽሓደ ምዃኑ ምርኣይ መስደመሚ/መደንፀዊ እዩ።

እቲ ናይ ቅድም ቀዳድም ኣዝዩ ህፁፅ ኣቃልቦ ክዋሃቦ ዘለዎ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ውሽጣዊ ጉዳያት እዩ- ምክልካልን ምውሓስን ድሕንነታዊ ህልውናን ኮይኑ ኣብውሽጢ ትግራይን ጎረባብታን ዙርያ ሰላም ምንባር/ምፍጣር እዮም። ነዚ ተግባራዊ ንምግባርን ካብ ተደጋጋሚ ናይ ፅንተትን ጭፍጨፋን ሓደጋታት ዓርሳ ትከላከለሉ ትግራይ ዝትውንኖ ህዝባዊ ሰራዊት ደዓምበይ፡ ሰራዊት ዝዉንና ትግራይ ክትኾን የብላን–ልክዕ ከምዚ ወታደራዊ ውልቀመለኽቲ መንግስታት ዝዝውርዎ ዓይነት ሰራዊት ክኸውን የብሉን። ካብ ናብዘለናዮ ድሕንነታዊን ኸባቢያዊ መንነት መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ጎንፂታት እናገወደ ዝመፀ ካብ ውሽጢ ውዱብ ህወሓት ዝምንጩ እንትኾን: ህዝባዊ ሰራዊት ካብ ከምዚ ዓይነት ናይ ፓርቲ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ኢድኣእታውነት ክርሕቅ ኣለዎም።

ሕሉፍ ታሪክ ከም መለበሚ እንተወሲድና: ኣብውሽጢ መሪሕነት ካብ ስሳዐን ኣርሒቁ ዘይርኢ ክፍፍል ዝፍጠር: ትግራይ ነዚ ህዚ ትርከበሉ ኩነታት ክትበፅሕ እቲ ዝላዓለ ግደ ተፃዊቱ እዩ። ኣብ ውሽጢ ውዱብ ዝተፈጠረ ኣብ ውሽጢ ፓርቲ ክፀንሕ ዝግበኦ ጉዳይ ኾነ ተባሂሉ ናብ መራሕቲ ሰራዊት ክልሑኽ ተገይሩ ቀፂሉ ድማ ህዚ ናብቲ ሰፊሕ ማሕበረሰብ ዘሊቁ ብምእታው ግዝኦም ዝሓለፎም ከባብያዊ መሰረት ብምግባር ብሄራዊ ስብራት የስዕብ ኣሎ። ብምክንያት ሕመቅን kurukus ፖለቲካዊ ስልጣን እናጎልበተ ዝኸይድ ዘሎ ክፍፍል ዕላማ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ብናህሪ ሃደሽደሽ እናበለ ዝርከብ እንትኸውን ነዚ ኣብ ሞንጎ ተፃባኢ ባህሪ ዘሎዎ ጉርብትና ተቀርቂሩ ዝርከብ ህዝብና ናብ ዝኸፍአ ናይ ህልውና ሓደጋን ብቀፃልነትን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ተጋላፃይነትን የስዕብ ኣሎ።

ከዚ ትግራይን ከባቢናን ዘለዎ ኩነታት ካብቲ ናይ 2013 ዓሌታዊ ምጥፋእ ኲናት ኣብ ዝተወልዐሉ ግዜ ዝነበሮ ኩነታት ብብዙሕ መንገዲ ይፈላለይ እዩ:: መንእሰያት ትግራይ፣ ከቢድን ብዙሕን ኣካላዊ ካልኦትን ጉድኣት ትዝበጽሖም፣ ኣብ ገጠራት ይኹን ከተማታት ዝነብሩ፣ ኣዝዮም ተስፋ ቆሪጾም ኣለዉ፣ ንባዕሎም ከም ግዳያት ናይቶም ዓሌታዊ ምጥፋእ ውጥን ዘለዎም ወረርቲ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብመሪሕነት ፖለቲካን ወተሃደራዊን ትግራይ ውን እምነት የብሎምን። ህዝቢ ትግራይ፣ ብፍላይ ነቲ ናይ ፖለቲካዊ፣ ወተሃደራዊን ድሕነታዊን ኣካላት ትግራይ ቀንዲ ክፋል ዝኾኑ መንእሰያት፣ ንምክልኻል ዓዶምን ህዝቦምን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ጥራይ ድሉዋት እንትኾኑ ግና ኲናት ኣዝዮም ይጸይፉ። ናቶም ተፍይነት ምስ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ትሑት ምትእስሳር ኣለዎ፣ ካብቶም ኣብ ቁጠባ ኲናት ጥቕሚ ዝረኸቡ ቁሩብ ሰባት ጥራይ ኢዮም ዝተፈለየ ሓሳብ ክሕሊዎም ዝኽእል።

እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተወሰኑ ወታደራዊ ኣሃዱታት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ማሕበረሰብ ዝተኸሰተ ጎንፃዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብቀፃልነት ብሄራዊ ሓድነት ተጋሩ እናኸፋፈለ ዝኸይድን ናይ ሕድሕዳዊ ግጭትን ንቀፃሊ ድማ ዓሚቕ ክፍፍልን ብምንፃፍ ፖለቲካዊ-ሕብረተሰባዊ ሓድነትና ንሓዋሩ በጣጢሱ ዝሓልፍ ሓደገኛ ተርእዮ እዩ። እዞም ላዕለዎት ወታደራዊ ኣዘዝቲ፥ ናይ ህወሓት ውዱባዊ ሓለፍትን ኣብ ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲን: ሰላም ናይ ምዕቃብ፥ ድሕንነት ህዝቢ ናይ ምውሓስን ቀፂሉ ክፍጠር ንዝኽእል ጎንፅን ደማዊ ግጭትን ንምፍታሕ እቲ ዝላዓለ ፍሉይን ሓላፊነትን ኣለዎም። ወታደራዊውን ናይ ፀጥታ ሓለፍትን ሕገመንግስታዊን ሰብአዊ መሰላትን ተጋሩ ብዘይ ሃይማኖታዊ፥ ፖለቲካዊውን ኸባብያዊ መሰረት ዝገበረ ውግንናን ብዘይዝኾነ ኣፈላላይ ከኽብሩ ግድን እዩ።

ብተወሳኪ ውን ሊሂቃን ትግራይ ኣብዚ ጉዳይ ሓላፍነት ዝሽከሙ እንትኾኑ ቀልጢፎም ዓው ኢሎም ድምፆም ከስምዑን ብዝኾነ ሰብ ይኹን ወገን ኣብልዕሊ ተጋሩ ንዝኽሰት ዝኾነ ዓይነት ጥሕሰት ሰብዓዊ መሰላት ብህፁፅ ክኹኑን ክነፅጉዎን ይግባእ። ንህዝቢ ትግራይ ዘለና ሓባራዊ ሓላፍነት ኣንፃር ናብ ዓመፅ፣ ሓድሽ ግርጭት ወይ ተወሳኺ ስቓይ ከምርሕ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ተግባር ብሓደ ድምፂ ክንዛረብ የገድደና። ክንውግዝ ኣለና:: “ውርድ ካብ ርእሲና” ክባሃል ኣሎዎ::

ወታደራዊ መራሕቲ ካብ ናይ ፓርቲ ፖለቲካ ውግንና ክርሕቁ ይግባእ፧ እቲ ፖለቲካዊ መሪሕነት እውን ወታደራዊ ሓይልታት ኣብ ናይ ፓርቲ-ፖለቲካዊ ጎንፅታት ክፅመዱ ካብ ምግባር ክዕቀቡ ይግባእ። ኣብ ውሽጢ ፓርቲ ዝፍጠሩ ክፍፍልን ፖለቲካዊ ጎንፅን ብሰለማዊ ዘተ እምበር ብወታደራዊ መንገዲ ክፍተሑ የብሎምን። ኣይኸሉን።

ኣብልዕሊ ሲቪል ተጋሩ ዘቅነዐ ዝኾነ ዓይነት ተግባር ክከላከሉን ካብ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ምትፍናን/ጎንፂ ዘይሻራዊ ክኾኑን ናይ ኩሉ ትግራዋይ ረብሓ ዝውሕስን ኩሉ ትግራዋይ ዝስእሎ ዓይነት ፖሊሲ ክነድፉ ግድን ይኸውን።

ኩሎም ሓይልታት ትግራይን ወታደራዊውን ፖለቲካውን መራሕቲ ሲቪል ማሕበረሰብን ብቀዳምነት ንሙሉእእነት ተፈፃምነትን ውሳነታትን ስምምዕ ፕሪቶሪያ ትኩረት ክህብ ይግባእ። ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሖ ዘሎ ገዘፍቲ ጸገማት ብህፁፅ ኣብ ምእላይ ከተኩሩ ዝግባእ እንትኾን ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስን ኣብ ትሕቲ ፀላእቲ ዝርከብ ህዝብና ሓራ ኣብ ምውፃእን ኣብ ዝተወረረ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክምለስ መፍትሒ ኣብ ምንዳይን ዛዕባታት ከተኩሩ ኣለዎም።

ኣብ ሕብረተሰብ ብግሉጽ ዘይዝረበሎም ጉዳያት (ከም ከባብያውነትን ሃይማኖታዊ ዝምድና ዘለዎም ጥርዓናት) ፍሉጥን ቅንዕና ዘለዎን ህዝባዊ ዋዕላ ክካየድ ኣለዎ። እዚ ኣብ ህዝቢ እምነት ምህናጽን ምጽናዕን ክሕግዝ እዩ።

መተካእታ ዘይርከቦ ግደ መራሕቲ ሃይማኖት

ኣብዚ መዳይ ግደ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ትግራይ ወሳኒ እዩ። ካብ 2017 ጀሚሩ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ካብ ኦርቶዶክስ፥ ሙስሊም፥ ካቶሊክን ኢቫንጀሊካል ማሕበረሰብ ውጥረታት ብዘተን ምይይጥን ንምፍታሕ፤ እዞም ህዚ ንሪኦም ዘለና ቅልውላዋት ኣብ ምክልካል ዘድሃቡ ተስፋ ዝህቡ ዘተን ምይይጥን ዘኽእሉ ፃዕርታት ገሮም እዮም።

ምስ ወታደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ብምርካብ ናብ ልዝብ ክመፁን ንውዕሊ ፕሪቶሪያ መርህ ተገዛእቲ ብምዃን ዓርሶም ካብ ግጭት ዘጋድዱ ነገራት ክቁጠቡን ከወግዱን ለበዋታትን ክገብሩ ዝፀንሑ ምዃኖም ይፍለጥ።

ናብ ዘተ ክመፁን ጎንፆም ብልዝብ ክፈትሑን ተፅዕኖ ብምሕዳር ካብ ክልቲኦም ፍንጫላት ህወሓት ተቐባልነት ዝረኸቡ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ብክልቲኦም ወገን ተላዘብቲ ኣካላት ዝተፈረመ ጎንፂ ንምፍታሕ ሓይሊ ምጥቃም ዝኹንን ካብ ናብ ጎንፂ ዘምርሑ ተኳሳሕቲ ምጥቃም ቃላት ክቁጠቡን ኣፈላላዮም ብሰለማዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ንምፍታሕ ውፍይነት ከርእዩን ዝብል ናይ ሓባር ስምምዕነት ዝሓዘ ሰነድ መግለፂ ንህዝቢ ዕላዊ ገይሮም ዮም።

ኣብዚ ኣዝዩ መሻቀሊ እዋን እዚ ኸምዚ ዓይነት ኸይዲታት ብተግባር ዝተሓገዘ ፃዕርታት ምእንቲ ክቅፅልሉ መራሕቲ ሃይማኖት እዞም ዝስዕቡ 4 እማመታት ክገብሩ ይግባእ፥

  1. ውጥረት ንምቅናስን ዝኾነ ዓይነት ጎንፂ ዝኹንን ዕላዊ ፀዋዒት ንህዝቢ ምግባር:
  2. ኩሎም መራሕቲ ንሕገመንግስታዊ መስርሕን አገባብን ተገዛእቲ ብምዃን ጎንፅታት ብሰለማዊ መንገዲ ክፈትሑን ካብ ጎንፂ ዘባርዑ ቃላትን ትርክትን ክርሕቁን ከምዚ ዓይነት ባህሪያት ብግልፂ ክቋወሙን ድልውነት ከምዘለዎም መረጋገፂ ክህቡ ምፅዋዕ
  3. ነዚ ጋህዲ ንምግባር ናብ ስምምዕነት ማዕቀፍ ዝወስድ ሰነድ ደንቢ ስነምግባር ክህሉ ምቅልጣፍን ብሙሉእነት ብኩሎም ወታደራዊ፥ ፖለቲካዊ፥ ሚዲያን ሲቪክ ውዱባትን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ትግራይ ብቀጥታ ቴሌቪዥን ክፍራምን ክኽበርን ክትግበርን ኩነታት ምምችቻው
  4. በዲፕሎማሲያዊን ካልኦት መንገድታት ሓገዝ ክህሉ ምምችቻው::

መሬት-ዶባት ትግራይ ንናይ ውግንና ጦርነት ዓውደኩናት ከይኾን ምግባር።

ኣብልዕሊ እዚ ዘሎ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ድሕንነታውን ቅልውላው ትግራይ ካብ ዝኾነ ግዘ ንላዕሊ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግንና ጦርነት ዓውዲ ኩናት ናይ ምዃን ቀርቃሪ ሓደጋ ኣንፃሊልዋ ይርከብ። ዋጋ ናይ ከምዚ ዓይነት ግጭት ብፍላይ ኣብ ዶባት ዝነብሩን ኣብ ትሕቲ ፅንተታዊ ሓይልታት ንዝርከ ህዝቢብ ትግራይ ኣዝዩ ኣዕናዊ ክኸውን እዩ።

ብምዃኑ ድማ ትግራይ: ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኢደ-ዙር እንተትኽይዱ ጦርነት ማእኸል ዓውደ-ጦርነት ናይ ምዃን ዕድላ ኣብ ዝላዓለ ጫፍ ተጋሊፁ ይርከብ: ኸምዚ ዓይነቱ ግጭት ንተጋሩ ሕድሕዶም ንክራፀሙ ብቀጥታ ብምፅላው ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ማሕበረ ህልውና ንዘላኣለም ዝበታትን ሓደገኛ ምዕባለታት ይኸውን ኣሎ።

ናይ ቡዙሓት ወገናት ወሳኒ ዝኾነ ዓለምለኻዊን ናይ ኣፍሪቃ መሪሕነት ኣብዘየለወሉ ኩነታት: ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኽሰት ዝኾነ ኲናት፤ ካብ ማእኸላይ ምብራቅን ጎረባብቲ ሃገራትን ተወስክቲ ቀጠናዊ-ተዋሳእቲ ብምዕዳም ኣካል እዚ ጦርነት ኾይነን ዝፅንበራሉ ምችው ኩነታት እናፈጠረ ዝቅፅል ዘሎ ይመስል። እዘን ቀጠናዊ ተዋሳእቲ ሃገራት እዚአን ኣብዚ ክልቴኣዊ ጦርነት እዚ ዝተደራረበ ብዙሕ ረብሓታተን ከዕውታ ዝደልያ ብምዃነን ብዓንተዎኡ ተኣናፋይነት ባህሪ ዘለዎ ‘ዚ ቀጠና እዩ። እዚ ብቀፃላይት እናተሓላለኸ ዝኸይድ ሃዋህው ይፈጥር። ብሳውዲ ዓረብያን ኤርትራን ኣብ ወደብ ዓሰብ ኢንቨስት ንምግባር ዝብል ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተገለፀ መድረክ: ናይ ዓረብ ኤምሬት ወኪል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተገይራ ንትረአ ኢትዮጵያ ከም ሓደ መዕገቲ ስልቲ ተገይሩ ክውሰድ ዝኽእል እዩ። ነዘን ዞባዊ ሓይልታት እዚአን ናይ ምግታእን ነዚ ጦርነት ንምቅራይ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ውሁድ ዝኾነ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕርታት ዝጠልብ ኩነታት እዩ።

ኩናት ውክልና ኣብ ዝውለዐሉ እዋን ትግራይ ኣዝዩ ፈታኒ ዝኾነ ደልሃመት-ማለት ውን ብቀፃልነት ጎንፂን ክፍፍልን ተጋሩ ዘጋድድ ብድሆ እናዓሞቀ ክኸይድ ዝገብር ኩነታት ገጥማ ይኽእል እዩ፥ ስለዝኾነ ድማ ወታደራዊ መራሕቲ ካብ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሃገራት ውግንና ነፃ ምዃንን ካብ ክልቲኦም ወገን ክመፅእ ንዝኽእል ዝተፈላለዩ ፀቅጥታት ምምኻት ግድን ይኸውን።

ብተወሳኪ ውን መሬት ትግራይ ናይዞም ፅንተታዊ ኩናት ዝፈፀሙሉ ፀላእቲ ናይ ኩናት መዐንደሪ ከይኾን ናይ ምክልካል ስትራቴጂ ምንዳፍ ስራሕቲ ከትኩሩ ናይ ቅድም ቀዳድም ትኹረት ክኸውን ይግባእ። ህጹጽ ስጉምቲ ብዓለም ማሕበረሰብ ክውሰድ ክንጽውዕን ኩሉ ዝተወሃሃደ ጻዕሪ ክግበርን ኣለና።


UMD Media

View all posts

Add comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *