ብሙሉጌታ ገብረህይወት*
ወረን ሓሾትን ፈታዊኡ ይፈቱ እዩ ይበሃል። እዚ ዝበሃለሉ ምኽንያት ናባኻ ገፅ ዝፈስስ ወረን መረዳእታን ብናትካ ናይ መረዳእታን ወረን ሃንቀውታ እዩ ዝምራሕ ማለት እዩ። መራሕቲ ናይ ስልጣን ሚዛን ፤ ከምኡውን ብኡኡ ኣቢሎም ተኸተልቶም ናብቲ ናታቶም ድልየት ክፈሱ ፅዕንቶ ናይ ምሕዳር ተኽእሎ ከምዘለዎም ፍሉጥ እዩ። ምእንተዙይ ድማ ዝበፅሖም ዓይነትን መጠንን መረዳእታ፤ ዳርጋ ብልክዖም ተሰፍዩ ክቀርበሎም ባህሪያዊ እዩ።
ቀደም ጃንሆይ ንጉሆ ንጉሆ እቶም መኳንንቶም ዝሓሰብዎን ዝሓምይዎን ምስ ዝከታተሉሎም ፎርማቶሪታት ኣኬባ ይገብሩ ኔይሮም ይበሃል።ሓደ መዓልቲ ንጉሆ ምስ እቶም ፎርማቶሪታቶም ተኣኪቦም፤
“እህ እንታይ ይበሃል ኣሎ” ኢሎም ሓተቱ።
እቲ ሓደ ፎርማቶሪ ተቐቢሉ “ደጃዝማች እከለ እንዳ ሜስ እናሰተዩ እዙይስ ድማ ንጉስ ኮይኑ ድንኪ ኢሎም ይፃረፉ ኔይሮም” ኢሉ ተዛረበ። ጃንሆይ ነዚ ምስሰምዑ “ምናለ እናንተ ሁለተኛ ባትሰድቡን” ኢሎም ተዛረቡ ይበሃል:: ብድሕሪኡ ንዕኦም ዝፀርፍን ንግዝኣቶም ዘንቋሽሽን ወረ ከምዘይቐርበሎም ገበሩ። ብድሕሪኡ እቶም መኳንንቶም ነዚ ፈሊጦም ዒራ ናብ ጃንሆይ ኣይበፅሕን ኢሎም ከምድልየቶም ምፅራፍ ጀሚሮም ይበሃል።ኣብ ግዘ መንግስቱ እውን እንተኾነ ዓዲ ብዓዳ ብኣገዛዝኣ መንግስቱ መሪርዋ እናሃለወት መንግስቲ ዝበፅሖ ዝነበረ መረዳእታ ግን፤ ዓዲ ምዕባለ ብምዕባለ ኮይና መሰታ ዝማዕበላ ሶሻሊስት ሃገራት ከምዝበፅሐት እዩ ነይሩ። እዚ ክዓ ካብ ናይቶም መረዳእታ ኣቕረብቲ ባህሪ፤ ናይቶም መራሕቲ መንግስቲ ናይ መረዳታ ድልየትን ባህግን እዩ ዘመልክት።
መራሕቲ ህወሓት እውን ናይ መረዳእታ ድልየቶም ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተቀያየረ ምመፅኡ ብጭቡጥ ርኢና።ኣብ እዋን ዕጥቂ ቃልሲ እዝኒ መራሕቲ ህወሓት “እንታይ ድኽመት ኣሎ?እንታይ ፀገም ኣሎ?”ኣብ ዝብል እዩ ዘተኩር ነይሩ። ገምጋም እንትግበር ይኹን ፀብፃብ ገምጋም እንትሓልፍ፤ ትኩረቱ ኣብ ጥንኩር ጎኒን ፀጋን እንተይኮነስ፤ ኣብ ድኽመትን ማሕለኻንየተኩር ነበረ። ሽዑ ዝነበረ እምነት ኣመራርሓ “ዓወትን ጥንኩር ጎኒን ባዕሉ ንባዕሉ ይዛረብ እዩ፤ ተዛራቢ ኣየድልዮን”ዝብል እዩ። በዚ ምክንያት ኣውራ ድልየት ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ኣመራርሓ ኣብ ውሽጢ ዓወት ዘሎ ውድቀት ኣብ ውሽጢ ጥንኩር ጎኒ ዘሎ ድኽመት እዩ ነይሩ።በዚ ምኽንያት ናይ ህወሓት ናይ ሚድያ ስራሕ ትኩረት እውን እዚ ኮይኑ።
ህወሓት ኮረቻ መንግስቲ ምስሓዘ ትኩረት ኣመራርሕኡ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተለወጠ ከይዱ። ድሕሪ ናይ 1993 ተሃድሶ ድማ ምሉእ ትኩረቱ ተለዊጡ። ዋና ትኩረቱ ናይቲ ውድብ መስመር ድሕሪ ተሃድሶ ዝፀረየ ምኳኑ ምርኣይ። መስመርና ፀርዩ እዩ። እቶም በቲ መስርሕ ተሃድሶ ዝወፁዓንቅፍቲ እዮም ኔይሮም። ቀደሙ’ውንብዙሕ ኣይነበሩን ኣብ ዝብል ጉዳይ ብጣዕሚ ኣፅዒቆም ከበራብሩ ቀፂሎም። እዙይ ንምግባር ድማ፤ በቲ ሓዱሽ መስመር ዝተኸደ ነብሲወከፍ ስጉምቲ፤ ንሃገርናን ክልልናን ብውንጩፍ ምዕባለ የዝልላ ምህላዉ ዘረጋግፅ ቅንጥብጣብ መረዳእታ ምእካብ ስርሓይ ኢሎም ሒዞሞ። ስለዚ ድማ እቲ ናይ መረዳእታ ሸውሃት ኣብ ውሽጢ ውድቀት እውን እንተኾነ ንዘላ ንእሽተይ ዓወት ዝኵልዕ፤ ኣብ ውሽጢ ድኽመት ዘላ ንጣር ጥንካረ ኣልሹ ክንዲ እምባ እናግዘፈ ክሰምዕ ዝደሊ ሽውሃትን ክፅብፅብ ዝኽእል ከዳምን ተፈጢሩ። ብሓፂሩ እቲ ዝዓበየ ድልየት ኣመራርሓ፤ ኣብቲ ልምዓት ዘለዉ ፀገማት እንተይኮነስ፤ኣብቲስራሕቲ ልምዓት ዝተመዝገቡ ዓወታት ምቍማት ኮይኑ።
ታሪክ ውድብን ቃልሲን ዝምልከት መረዳእታ እውን እንተኾነ ናይቶም ኣብቲ ተሃድሶ ልዕልነት ረኺቦም “ዝሰዓሩ” ውልቀሰባት እጃም ክንዲ እምባ ዘግዝፍ፤ ናይቶም በቲ እዋን ዝወፁድማ፤ክንዲ ፍረ ጣፍ ዘፅሪ፤ብስሩውን ኣብቲ ዝውዓልሉ ኣይውዓልኩምን ኢሉ ታሪኽ ዝኽሕድ “ታሪኽ” ክፈስስ ጀሚሩ። ዋሕዚ ታሪኽ ብድልየት ውልቀሰባት ክግናሕ ቀፀለ ማለት እዩ።
ብቁፅሪ ክግለፅ ዝከኣል ናይ ልምዓት ውፅኢት እንተለዩ ከመይ መፂኡ ብዘየገድስ ይፅብፀብ። ብቁፅሪ ክግለፅ ዘይከኣል እንተኾይኑ ተስፋ ዝህብ፤ ዘበረታትዕ ተባሂሉ ይግለፅ። ካበይ ኣምፂእካዮ ዝብል እንተኾይኑ ድማ ተባሂሉ ይግመት ይህሰብ እናበልካ ይፅብፀብ።ስለዚ ድማ ሕሶት ኣብ ምምንጫው ብዘለዎ ተራ፤ እቲ ቀንዲ ተሓታቲ እቲ ዝፅብፅብ እንተይኮነስ ናይቶም ተቀበልቲ መራሕቲ ናይ መረዳእታ ድልየት እዩ ዝኸውን።ሳእንካ ማዕረ እግርካ እንድዩ! እቶም መረዳእታ ዝእከበሎም ሚዛናት እውን በዚ ዝተቓነዩ እዮም።
*ብሙሉጌታ ገብረህይወት (ሙሉጌታ ጫልቱ) ብ መጋቢት 5 2010 ዓም ኣብ ውራይና ካብ ዝተሓተመ ፅሑፍ
Editor’s Note: The opinions expressed in the articles published on UMD Media are solely those of the individual authors and do not necessarily reflect the views or opinions of the editorial team or UMD Media as an organization. The publication of any opinion piece does not imply endorsement or agreement by UMD Media. Readers are encouraged to critically evaluate the content and form their own conclusions. Leave your comments below. Send us your thoughts and reflections to umd.media.2020 at gmail dot com.
Add comment