ኤርሚያስ ኣማረ

July 27, 2024

ኣብ ታሪኽ ህወሓት ኮነ ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ትግራይ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ደገፍቲ ህወሓት እዚ ዝቦቅል ዘሎ ሓዱሽ ፓለቲካዊ ባህሊ ፀላዕላዕ የብሎም ኣሎ:: እቲ ሕምብርቲ ውድብ ወይ ድማ ኣስኳል ፓለቲካል ኢኮኖሚ ዝኾነ ኣብ ትግራይ ኣብውሽጢ እቲ ውድብ ይኹን ካብ ደገ ዝግበሩ ለውጥታት ፈፂሙ ዘይቕበል ገባሪ ሓዳጊን ወናኒ ኣተሓሳስባን እዩኣብ መሪሕነት ሃለወ ኣይሃለወ ብዘየገድስ ከም ሕማም ለበዳ ፎቖድኡ ዝተበተነ እዩ:: ካብኡ ንምግልጋል ኣብዝግበር ቃልሲ ትግራይ ዝነፀረቶም ይመስል!! ኣብ ከይዲ እዚ ንህዝቢ ታክቲካል መሓዝኡ ኽኸውን ዝኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ::

ሓዱሽ ባህሊ?

ዲሞክራስያዊ ጥርናፈ ሓደሽደሽ ይብል ኣሎ:: ሕሉፍ ክፍኣቶም ንዕቀቶምን ትዕቢቶምን ፀሓይ ይወቕዖ ኣሎ:: ከምቲ ቀደም ዝተፈለየ ሓሳብ ዘንፀባረቐ መን ምኳኑ ዘይፍለጥ ድሕሪ 10 ዓመት እቲ መጉዳእቲ ምስበፅሐ “key informants” እዳበሉ ኣብ መፅሓፍ ዝፅሕፍዎ (Chaltu’s book in mind) ምፅባይ የለን:: ንጉሆ ይውጋዕ: ምሸት ናብ ማህበራዊ ሚድያ ይወፅእ:: ሚስጥር ዝባሃል የለን:: ሎሚ እማ ገባር እውን ክሰምዖ ይግበር ኣሎ:: የቐንየልና ድምፂ ወያነን ትግራይ ተለቪዥንን:: እቲ ገዛ ዓፅዮም ዝማያየጥሉ እውን 4ቲኡ መንደቕ ሚስጥር ዘውፅእ እዩ ዝመስል:: ዝገርም ለውጢ:: በዚ ፍጥነት ለውጢ ክመፅእ ኢለ ኣይተፀበኹን:: ዝጨውዮ ክህልው ይኽእል እወብጥንቃቐ ህዝቢ ክካታተሎ ይግባእ::

ሓደ ካፍቶም ቲንክ ታንክ ናይቲ ሕምብርቲ ውድብ (establishment) መጋውሒ ዝኾነ “ህወሓት ብኣብስትራክት ፓወር እዩ ዝነብር “ ኢሉና ነይሩ:: ኣብስትራክት ፓወር ማለቱ  ዘይጭበጥ ሓይሊ ቀፃሊ ነባራዊ ህልውና ዘለዎ ሓይሊ ማለቱ እዩ:: ዳርጋ ምስናይ እግዚኣብሄር ስልጣን ዝማጣጠን ማለቱ እዩ (ናይ ጆርጅ ኦርዌል መፅሓፍ ዘንበበ እንታይ ይብል ከምዘለኹ ይርድኦ እዩ):: ሓቁ እንድዩ ክትብሉ ትኽእሉ ትኾኑ:: ካብ ኩሽነ ኣዴታትና ጀሚሩ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ሽሙ ቐይሩ ልምዓት ጉጅለ እንዳበለ 30 ዓመት ህዝቢ ሓይሩ ዝፀንሐ ውድብ ስለዝኾነ:: እንትጅመር ህወሓት ናይ ሓሳብ እኩብ ዝወለዶ ውድብ እዩ ነይሩ:: ዝተወሰነ ህዝባዊ መሰረት ድማ ነይርዎ:: ሕዚ ግን ብመደብ / ኣስኳል ፓለቲካል ኢኮኖሚ ዝወነነ ኣተሓሳስባ ተዓብሊሉ እዩ:: ኣብ ኣሜሪካ ይሃልይ ኣድያቦ ኣተሓሳስብኡ (establishment) ዝኾነ ይኹን ለውጢ (reform) ንኸይመፅእ ዝቃለስ እዩ:: ኣብዚ ሓደ ገባር እንደርታ ዝተዛረብዎ ተዘኪሩኒ:: “እንታይ ናብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጥር ኣበለኩም ኣብዚ እኮ ኣሎ 30 ዓመት ኣብ ስልጣን ዝፀነሐ ናይ ወረዳና ኢሳያስ ኣሎ” ዝበልዎ:: ናይ ብሓቂ ኣብ ሓደገኛ ግዜ እዩ ተበፂሑ ዘሎ:: ስለዚህ ከም ህዝቢ ትቃለሶ ዘርፈ ብዙ መደብ እዩ:: ዝተፈለየ ሓሳብ ዘምፅእ (መንግስትን ውድብ ቢዝነስን ምፍላይ) ብዓይኒ እቲ ኢስታብሊሽመንት ቦታ የብሉን::

ኣንፃር ሕምብርቲ ውድብ ናይ ምውቃዕ ጉባኤ?

እዚ ሕዚ ንጉባኤ ምክያድ ዝግበር ዘሎ ዕንደራ ንኸይካየድ ዓብላሊ ድምፂ እንተዝህልዎም ነይሩ ወይ ድማ ብዴሞክራስያዊ መንገዲ ጌታቸው ረዳ መሓዙቱን ናብ ጉባኤ ንእተው እንተዝብሉ ነይሮም ኣይምኸዱን ነይሮም:: ስለዚህ እቲ ጉባኤ ንምንታይ ንኽካየድ ከምዝደልዩ ፍሉጥ እዩ:: እንደውም ሎማዓንቲ /ደብረዮን ኣረጋጊፁልና:: ኣብ ናይ ሎማዓንቲ መግለፂኡ “እታ ውድብ ከይትዕረ: ከይትፀርይ: ተማዓራርያ ከይትኸይድ  ህዝባ ከይተገልግል ኣብ ውሽጥና ኾይኖም ዘይደልዩ ኣለዉ” ክብል ተዛሪቡ:: ኣነ ዝገርመኒ እዛ ውድብ እዚኣ መዓዝ ኮን እያ ትፀርዮ? 1985 ኣሽሓት ተጋደልቲ ኣባሪራ ኣይፀረየትን:: ካብኣቶም ሓደ ኣስገደ ገብረስላሴ ምኳኑ ይፍለጥ:: ከምኡ እውን 1993 ብዙሓት ኣመራርሓ ኣባሪራ:: ለውጢ ግን የለን:: ኣብ 2017 እውን ማራቶን ኢላ ዳርጋ ፍርቂ ፀርያ እያ:: ስለዚህ / ደብረፅዮን እንታይ ክገብር ከምዝደለየ ጦንቃሊ ምቕላብ ኣየድልየናን:: ኣንፃር እቲ ኢስታብሊሽመንት ንዝኾነ ኣባል ንምውቃዕ!! ናፍቖትኣዮኻ ናይናካልእ እኳ የዛርብ::

ንምጥቕላል ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ኣብ ወሳናይ ምዕራፍ እዩ ዘሎ:: ኣንፃር እቲ ኢስታብሊሽመንት: ንዘመናት ተፃዒንዎ ዝፀንሐ ውሽጣዊ ምስሉይ ሓደገኛ ኣተሓሳስባ እዩ ተላዒሉ ዘሎ:: ቀንዲ ባእሲ ህዝቢ ምስቲ ፀረ ለውጢ ምኳኑ ኣብ ክንዲ ድሕንነት ህዝቡ ድሕንነት ስልጣኑ ዝጭነቕ ሕምብርቲ ውድብ ምኳኑ እንተዝርድኦም ነይሩ ናብዚ ኹሉ ዕንክሊል ዘእትው ኣይምነበሮምን::

ብሓፂሩ ኣጀንዳ እቲ ጉባኤኦም ውድብ ነድሕን እምበር ህዝቢ ነድሕን ከምዘይኮነ ባዕሎም ሓቢሮምና ኣለዉ:: ኣብ ኣውሮፓ የለ ኣሜሪካ ኾይኑ ንህዝቢ ኣብጉዳዮም ክፅመድ (busy) ዝገብርዎ ዘሎ ወነንቲ ሕምብርቲ እቲ ውድብ እዮም:: ዝተፋላለየ ሽም ክህልዎም ይኽእል እዩተጋዳላይ: ሙሁር: ኣክቲቪስት: ሃይማኖት መራሒ ወይ ድማ ነጋዳይ:: እዞም ዝተጠቐሱ ርኢቶኦም ክህቡ እንከለዉ ህዝቢ ትግራይ ውሳነ መራሕቱ ይፅበይ ኣሎ ይብሉ ብድፍረት:: “ህዝቢ ትግራይ ይምራሕ እምበር ኣይመርሕንዝብል ጭርሖ ኣብዚ ቀረባ ሒዞምልና  ክመፁ ይኽእሉ ይኾኑ::

ሃዲዱ ዘይስሕት ኩለመዳያዊ ቃልሲ

ስለዚህ ተመሊሱ ህዝቢ ናብ ጭቃ ኹናትን ዕንወትን ከይርግረግ: ተጀሚሩ ዘሎ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ሃዲዱ ከይስሕት እንዳተናበበ ነቲ ለውጢ ኣብ ሽቱኡ ክብፅሖ ይግባእ:: ኣብ ትግራይ ንለውጢ ዝግበር ወፍሪ ሚስጥር ኣይኮነን:: ለውጢ ክባሃል ከሎ ህዝቢ ማሕበረሰባዊ ቅርፁ ተጠቒሙ ካብቲ ኣብልዕሊኡ ተስፋሕፊሑ ዘሎ ኩለመዳያዊ ፀገም ዝላቐቐሉ መንገዲ ምእላሽ ማለት እዩ:: እቶም ፀገማት ሱር ዝሰድዱ ናይ ኣተሓሳስባ ፀገማት ኮይኖም ብዋናነት ኣብ ኢኮኖሚ: ፓለቲካ: ባህሊ: ከምኡ እውን ሃይማኖት ዝተፀምበሩ እዮም:: ስለዚህ ካብዚ ንምንጋፍ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ተሳትፎ ዜጋ ኣብዝድለየሉ ግዜ ኢና ዘለና::

ብውሑድ ከም ሞራላዊ ውክልና ዘለና ሰባት ኮነ ውድባት ንህዝቢ ዘገልግል መንግስቲ ንኽምስረት ግዴትኡ ክዋፃእ ፀቕጢ ምግባር የድሊ::ካብኡ ሓሊፉ እውን በቲ ኣብ ትግራይ ዝምዕብል ዘሎ ውሽጣዊ ፓለቲካዊ ክፍፍል እቲ ውድብ ሙሉእ ንሙሉእ እንተፈሪሱ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ፓለቲካዊ ፓርቲታት ሕብረት ፈጢሮም ነቲ ከጋጥም ዝኽእል መንግስቲ ምፍራስ (power vacuum) ክፈትሕሉ ዝኽእሉሉ መንገዲ ምእላሽ የድሊ::

Subscribe to UMD Media channel. Join UMD Media Telegram Channel: https://t.me/UMDMedia

UMD Media

View all posts