ዳዊት  ካሕሳይ

29/12/2023

1.      መእተዊ

ምስ ዘለናሉ ኹነታት ተታሒዙ ከም ህዝቢ ኢና ወዲቕና እንትንብል፣ ኩላትና ብኣጋ ማለት እውን መሰረታዊ ፀገማት ምህላዎም ምስፈለጥና/ምስተረዳእና ንምዕራይ ብተግባር ብዘይንጣፍና፣ ሕድሕድና በቢ ብርኩ ኣብቲ ውድቀትና ብፅሒት ኣለና ዝብል መረዳድኢ እዩ። በዚ መሰረት ተሓታታይነት ውድቀትና ከም ሕብረተሰብ ተሸንሸኑ እንትንግምግም፣ ንውድቀትና ዋና ተሓተቲ ኮይኖም ዝቐርቡ ፖለቲከኛታት ትግራይ እዮም። ካብ ፖለቲከኛታትና ብዘይንኣአስ ብኻልኣይ ብርኪ ዝውቀስ ሊሂቅ ትግራይ እንትኾን ካብዚ ምድብ እዚ እቲ ምሁር ሊሂቅ ቐዳሚ ብፅሒት ይወስድ። ፖለቲካ ዓለም ብፍላይ ድማ ፖለቲካ እተን ፀለውቲ ሃገራት ብትምህርትን ምርምርን ተሓጊዙ ኣብ ዝካየደሉን ዝለዋወጠሉን ዓለም፣ ፖለቲካ ትግራይ ካብ ትምህርትን ምርምርን ርሒቑ፣ ምስ ምሁር ዘላኣለማዊ ፍትሕ መስሪቱ ብናይ ሓሳብ ድርቀት እንትሳቐ፣ ከም ጓና ብማዕዶ ዝርእን፣ ብምኽንያታትን በተን ኣብ መንግስታዊ ቤት ዕዮታት ተቆፂሩ ዝህበን ግልጋሎታት ተወሲኑ፣ ብማሕበረቑጠባዊን ፖለቲካን ሕብረተሰቡ ክፀሉ ሓላፊነት ዘለዎ ምኻኑ ክሳብ እዛ ሀዚ ስዓት ዘንጊዑ ዝነበረ እዩ።

እቶም ቑሩብ ዝፅዕሩ ኣዝዮም ብቑፅሪ ውሕዳት ከይሓወሰ፣ ምሁር ትግራይ ንብርክት ዝበለ ግዜታት መቃለሲ መድረኽ ብምስኣን ምኽንያት ዝገብር እንተነበረ’ኳ፣ ካብ ምስረታ ዓለም ለኸ ማሕበር ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ (ዓማምሰት/GSTS) ንድሓር ግን እቲ ምኽንያት መሕብኢ ስእነት ተበግሶ፣ ውፍይነት/ተቓላሳይነትን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ናይ ብርኪ/ክላስ ኣፈላላይ ኣተሓሳስባ ከም ዝኾነ ዕርቃኑ ክወፅእ ኪኢሉ እዩ። ናይ ብርኪ ፍልልይ እንትብሃል ንብዙሕ ሰብ ዘይክበርሀሉ ይኽእል እዩ፣ ግን ኣብ ዝተፈላለየ ግዘ እቲ ሕብረተሰብና ዘይነቕሐ፣ ንምርዳእ ብጣዕሚ ግዘ ዝወስድ፣ ሰጓማይ ዘይምዃኑ እቲ ምሁር ብኣንፃሩ ንዓርሱ ካብዚ ብተቓራኒ ብምግላፅ ምስቲ ሕብረተሰብ ምስራሕ ዘይምጥኖ/ዘይቦታኡ ምዃኑ ከም ርቱዕ ምኽንያት “ምስዚ ሕብረተሰብ፣ ስራሕ ኣይሰኣንኹን፣ ግዘይ ኣብ ዝጠቅም ነገር እንተሕለፍኹ ይበልፀኒ፣ ኣብ ደረጃና ተወዓልና እዩ ምበር ብስሩ መንዐቒኻ እዩ” ብዝብሉ ኣገላልፃታት ትሕት ኢሉ ንደረጃኡ ኣብ ዘይምጥኑ ከምዘይሳተፍ እዩ ዝገልፅ ዘሎ። እዞም ልዕል ክብሉ ዝተጠቐሱ ምኽንያታት/ስእነታት እቲ ምሁር ብውልቀኡ ንዘይገበሮ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ዓማምሰት ከም ትፅቢት ተጋሩ ኣብ ምምሕሽ መድረኽ ፖለቲካ ትግራይን ከምኡ ‘ውን ሰናይ ምሕደራን ዝግበኦ ሚና ከይፃወት ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎም ‘ውን ክሰመረሉ ይግባእ።

ዓማምሰት/GSTS ብፈላይ ኣብ ቐረባ እዋናት ከም ናይ ትግራይ ምሁር ሓይሊ ሰብ ዝሓዘ ትካል፣ መንግስቲ ይኹን ብርክት ዝበሉ ናይ ትግራይ ትካላት ከም መማኸሪን ፍልፍል ሓይሊ ምሁር ሊሂቅ ትግራይን ኮይኑ ከገልግሎም፣ንቐፃሊ ዕብየት እቲ ማሕበር ውን ካብ ምሕሳብ ኣብ ኩሉ መድረኻት ብምምራሕን ምስታፍን ከም ዝነጥፍ ይፍለጥ። ኣብ ኩሉ መድረኻት ተጋሩ ምርካቡ ናብ ኣቕልቦት ሕብረተሰብና ብቐሊሉ ክመፅእ እኳ እንተሓገዞ፣ ነዚ ስዒቡ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ዓማምሰት ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ክለዓሉ ይረአ። ካብዚኣቶም እቶም ዋና ዋና ኣብ ልዕሊ መርቀቕቲ ሕጊ ትግራይ ፅዕንቶ ኣብ ምፍጣር፣ ናብራ ገባር ትግራይ ክቕይር ኣብ ዝኽእል ናይ ምርምር ንጥፈታት ኣድሂብኻ ምሰራሕ ኾነ ክስራሕ ዘቕረቦ ሰነድን ዝፈጠሮ ፅዕንቶ፣ ናይ ትግራይ ዩኒቭርስቲታት ምስ ናይ ወፃእ ዩኒቨርስቲታት ኣብ ምትእስሳር ዝነበሩ ጀማሮታት ቐፃልነትን ውፅኢቱን፣ ፅሬት ስርዓተ ትምህርቲ ትግራይ ካብ መሰረቱ ኣብ ምምሕያሽ ከም ዋና ገዛ ዕዮ ገይርኻ ዘይምዕማም፣ ኣብ ባይታ ተሰጢሖም ንዘለው ፀገማት ትግራይ መዋፅእ ምንዳይ ምሕባርን ኻልኦት ዛዕባታትን ብዝተታሐዘ ዘለዎ ድኽመታትን ውስንነትን ኣዝዩ ክንቀፍ ይስትውዓል።

ኣብዚ ፀሑፍ ንመንግስቲ ትግራይ ኣብ ምምኻርን ነዚ ተተሪኢሱ ኣብ እዋን መኸተ ዘበርከቶ ፅቡቕ ስራሓውቲ ከምዘሎ ኹሉ፣ ዝነበሮ ድኽመታት ወይ ይፃወቶ ዝነበረ ኣሉታዊ ሚና ‘ውን ነፂልና ክንሪኢ ይግባእ። ናይዚ ፅሑፍ ዋና ምኽንያት ኣብቲ ማሕበር ዝረአዩ ውሱናት ፀገማት ብምምሕያሽ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝተምሃረ ክፋል ሕብረተሰቡ ዝበለፀ ተጠቃሚ ክኸውን ንምኽኣል እዩ።

2.    ምምኻካር መንግስቲ/ውድብ ትግራይ

ምምኻካር ብኽልተ መንገዲ ክርአ ይክኣል። እቲ ቐዳማይ ኣብ ህዝቢ ዘለው ፀገማት ነፂርኻ ናይቶም ፀገማት መፍትሒ መንገዲታት ብረቂቕ ንዝምልከቶ ኣመራርሓ ምቕራብን ኣፈፃፅምኡ ምክትታልን እንትኸውን፣ እቲ ኻልኣይ መንገዲ ድማ ካብ ትካላት ወይ ብዓል መዚ መንግስቲ ዝቐርበልኻ ረቂቕ ትልሚ ወይ ሓሳብ ዝበለፀ ናይ ምኽዕባት/ምምዕባል መንገዲ ምምኻር ኢልኻ ምርኣይ ይከኣል።

ኣብቲ ናይ ምምኻር ስራሓውቲ ዝነጥፍን ካብቲ ስራሕ ብናይ ዓላማ ጎነፅ ንዓርሶም ዘርሐቑ ምሁራን ተጋሩ ዘረጋግፁልና ዓማምሰት/GSTS ብዚኦም እንትምዘን ከም ሓደ ናይ ሰብ ሞያን ምሁራንን ማሕበር፣ ሞያዊን ምርምር/ፅንዓት መሰረት ዝገበረ ናይ ፀገማትና መፍትሒ ኣናዲኻ ካብ ምምኻር እቲ መዚ መንግስቲ ዝሓዘ ኣካል ወይ ውድብ ዝሓሰቦ ዝተለሞ ኣብ ምእራም ዘድሃበ ኣካይዳ ኣዘውቲሩ (ብምምራፅ) እቲ ውድብ ከይኹሪ ተንከባኪብኻ ምሓዝ ዝመረፀ እኩብ ሊሂቅ ኮይኑ ይርከብ። ንኣብነት ሓደሓደ ግዘ ኣብዝሓ ምሁር ተዛትዩ ክኸውን ይግባእ ኢሉ ዝኣመነሉ ምኽረ ሓሳብ ቅድሚ ምፅናዑ ናብ ደጀን ቢሮ ተሰዲዱ ቅቡሉነት ክረክብ ከም ዝግበርን፣ ቅቡል እንተዘይኮይኑ ተዳፊኑ ከምዝተርፍ ይፍለጥ።

እቲ ዘግርም ካብ ኣባላት ኣመራርሓ ጀሚሩ ለውጢ ክምፅእ ብግሉ ዝዛረብን ዝዘራረብን ምሁር ትግራይ፣ ተጎጅሉ ግን ንዘየምልዋጥ ዝግበር ምክልኻል ብስራሕ ዝድግፍ ሊሂቅ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንሱ ብኸምዚ ቐፂሉ ለውጢ ብተግባር ኣብ መሬት ከመይ ክግሃድ ኢሉ ከም ዝሓሰብ ንብዙሕ ሰብና ሕቶ ይፈጥረሉ። ሓሊፉ ሓሊፉ ንረብሓ ትግራይ ይጠቅም ኢሉ ዘውፀኦም ቅዋማት፣ ብቲ ውድብ እንድሕር ዘይተፈተዉ ዝገድፈሉን፣ ቅዋሙ ዓፂፉ ብኣንፃሩ ዝኸደሉ ኹነታት ሻራዊነቱ ዘመላኽቱ ኣብነታት ኮይኖም ክልዓሉ ይረአ።። ከም ኣብነት ኣብ ምሰረታ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣመልኪቱ ናይ ኣከያይዳ ኣሰራርሓ ጌጋ ነቒፉ ዘውፀኦ ቅዋም ተፈፃሚ ክኸውን ኣብ ክንዲ ኣጥቢቑ ምሕታት፣ ናይ መስርሕ ጌጋ ኣለዎ ኣብ ዝበሎ ከይዲ እንከይተኣረመ ተዓፂፉ ወከልቲ መሪፁ ምስዳዱ/ምስታፉ ብርክት ዝበለ ሰብና ናይ ባዕሉ ቅዋም ዘይብሉ ወይ ኣብ ቅዋሙ ፀኒዑ ዘይቃልስ ክብል ዝወቐሰሉ ኣጋጣሚ ምርኣይ ይክኣል። ንዚ እዉን እዩ ነይሩ ነይሩ ዘቕረቦም መማኸሪ ሓሳባት ክትግበሩ ዘይከኣሉ። ናይዚ መቐፀልታ ዝኾነ ብሕዳር 10, 2016 ዓ.ም ኣብ ዘውፀኦ ንድፈ ሓሳብ እውን እንተኾነ ንሕድሕድ ውድባት ማዕረ ውክልና ዝሃበ መሲሉ፣ ናይ ህውሓት ዓብላልነት ብዘረጋግፅ መልክዑ ንህውሓት ብድምር 31% ሚኢታዊ 47 (ደገፍቲ ብዝብል ናይ ዝንቀፋ ማሕበራት % ከይሓወሰ) ብዝሒ ሂቡ፣ ነተን ኻልኦት ሓሙሽተ ውድባት ድማ ሕድሕደን 9 ሰብ (6%)ብምሃብ ብጉጅለ ከም ሓደ ተናሓናሒ 30% ወይ ድማ 45 ተወከልቲ ክህልውዎን ይመክር።

ዓማምሰት/GSTS ናይ ፀገም ግዘ መዋፅእ ክኸውን እምበር፣ ፀገማት ምኽንያት እናገበረ ኣብዘይስርሑ ዝባኽን ትካል ክኸውን ዝደልዮን ዝፅበዮን ኣካል የለን። ኣብ ኸምዚ ግዘ ኢና ዘለና ብዝብል ፀገማትና ብንፁር ዘቲና ናብ መፍትሒታት ከይነምርሕ ዝዓግት ልምዲ፣ መሪሕ/ቐዳሚ ኮይኑ ክሰብሮ እዩ ኔሩ ትጽቢት ዝግበር። ብኣንፃሩ በዚይን ብኸምዚይን ናይ ተጋሩ ሕራነ ንውሽጣዊ ለውጢ (ውሽጣዊ ሕራነ) ዝኸብስ ኮይኑ እዩ ዝርከብ። ትግራይ ኣብ መስቀል መንገዲ ኣብ ዝነበርትሉ ዓማምሰት/GSTS መማኽርቲ መንግስቲ ትግራይ ካብቲ ናብ ዂናት ዝደፍእ ዝነበረ ተረኽ ዝተፈለየ መማረፂ ከምዘይብልና ብመዳይ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ሳይንስ ዘለዎም ሞያ ዝበፅሕዎ ከምዝኾነ ብሽም ፍሉይ መማኽርቲ ኣብ ሚድያታት ተደጋጋሚ ህዝቢ ብተዘዋዋሪ ናይ ምእማን ስራሕውቲ የካይድ ምንባሩ ይዝከር። ይኹን እምበር እንተዋሓደ ነቲ ናይ ፀላኢ ዓርሳዊን ግዳማዊ ሓገዛትን ዝተወሰኾ ምድላዋት መሰረት ዝገበረ ተግባራዊ ምድላዋት ተገይሮም እኳ ናብ ዅናት ክእቶ ነቲ ዘማኽሮ ናይ ፖለቲካ መሪሕነት ካብ ምምጓት፣ ኣፍኛ መንግስቲ ኮይኑ ምግልጋል ዝሓረየሉ ናይ ታሪክ ኣጋጣሚ ከም ዘይሻራዊ ናይ ሞያ ሕብረተሰብ ትካል ሓላፍነቱ ዶ ይዋፃእ ኔሩ ዝብል ሕቶ ዘልዐለ ኾይኑ ንረኽቦ። ካሊእ ይትረፍ እሞ ካብ ዜና ዝሓለፈ ውፂኢት ዘይብሉ ግን ምሁራት ከምዚ አቕሪቦም፣ ምሁራን ከምዚ ኢሎም ብዝብል ንናይ ፕሮፖጋንዳ መሳለጢ እንትውዕል፣ ኣብ ክንዲ ንተግባራዊነቱ ምሕታት በቲ ቀያዕ ውዳሰ ዓጊቡ ስቕ ዝብል ማሕበር እዩ። ካብዚ ዝተበገሰ እውን እዩ “ሕብረተሰብ ማሕበራዊ ድህረገፃት” ሕልፍ ሕልፍ ኢለን ንዝወፅኣ ካብዚ ብባህሪ ፍለይ ዝበላ መግለፂታት እንትርእይ፥ ቴርሞመትር ወሪዳ ኣላ ማለት እዩ፣ ሎሚ ዓማምሰት ታይ ነኺእዎ፣ ክዕሪ ዶ ኢሉ ይኾን፣ ከምዚ ግበሩ/ኹኑ ኢና ዝንብል ዘለና ወዘተርፈ ብዝብሉ ሕጫጨታትን ተሰፋታትን ነቐአፈታኡ ዝገልፅ።

3.    ሕብረተሰባዊ ማሕበራት ኣዳኪምካ ምትካእ

እዚ ተማእዛዝይነት (ሓደ ሓደ መገልገላይነት ይብልዎ) እዚ፣ ዓማምሰት/GSTS ኣብዘይ ቦታኡን ዘይስርሑን ክርከብ እውን ይገብሮ ከምዝነበረ/ዘሎ ይፍላጥ። ከም ኣብነት ብድልየቱን ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ዝመፀ ብዝብል ዝኽተሎ መምርሒን ናይ ኻልኦት ትካላት ስራሓውቲ ብምምንዛዕ ትካላት ኣብ ምድኻምን ምጥፋእን ዝተዋፈረ ትካል ምኻኑ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኹነታት ከም ምኽንያት ተጠቂምካ ዝተገብረ ዕላዊ ሓቂ ምርኣይ ይከኣል። ብፍሉይ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዓማምሰት ንሕብረተሰብ ማሕበራት ተኪኡ ክሰርሕ ኣታድ ከም ቆቢዕ ተጠቒሙ ኣብ ዝገበሮ ፍሕፍሕን ዳሓር ውን ምምንጣል ስራሕ ዕላማ እቲ መድረኽ ዝቐየረ ብምንባሩ መስረቲ ዝነበራ ዓበይቲ ማህበራት ክገድፋ ዘገደደን፣ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ዘመዘነ ነይሩ ምባል ዘኽእል እዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ይርከብዎም። ቀዳማይ ናይ ትኹረት ምዝባዕን ዝተወሰኑ ዓማምሰት ይኹን እተን ማሕበራት ዘይሰርሕዎም ስራሓውቲ ክፍጠሩ ብምግባሩ። ኻልኣይ ድማ ናይ ዕዮን ሓይሊ ሰብን ምሽማይ ዝወልዶ ቅርሕንቲ ኣብ ኣባላት ምስልቻይ ስለዝፈጥር ዓማምሰት ሰራሑ ብፅፈት ኣይሰርሕን፣ እተን ስረሐን ዝተሻመየን ማሕበራት እውን ሰረሐን ከም ትልመን ክሰርሓ ዘይኽእላሉ ኹነታት ተፈጢሩ እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ግን እቲ እዋን ፈጢርዎ ዝነበረ ሰባት (ትግራዋይ ሓይሊ ሰብ) ብወለንታ ናይ ምግልጋል ዕድል ተጠቒምኻ ብርክት ዝበሉ ስራሓውቲ ምውጋንን፣ ብዚ ኣቢልኻ እውን ትካላትና ክዓብያሉ ዝኽእላ ዝነበረ ዕድል ዝባኸነሉ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ እዩ።

እተን ማሕበራት ብዝግባእ ዘይማዕበላ፣ ሰጓማይ ኣተሓሳሰባ ዘየረአየንን ናይ ዘይነቕሐ/ዘይተምሃረ መአከቢ/መናሀርያ ብምዃነን እዞም ስራሓወቲ ክሰርሐኦም ኣይኽእላን ዝብል ስነ መጎት ዘለዎ ማሕበር ሊሂቃን፣ አዚ ፀገም ክፈትሕ ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል እቲ ማህበረሰብ ምኻኑ ምርስዑ ጥርሕ ዘይኮነስ፣ ብተዘዋዋሪ ንሱ ብላዕሊ ኮይኑ ከተሓባብሮን ከስርሖን ዝሓስብ እዙ “ዘይነቕሐ” ሕብረተስብ ምኻኑ እናፈለጠ እዙ ተግባሩ ምድፋኡ ግን መሰረታዊ ፀገም ኣብቲ ታህተዋይ ብርኪ ሕብረተሰብ ከምዘየለን የግዳ እቲ ምኽንያት ናይ ዓምጣጣዓይነት ቆለ ፖለቲካዊ ጥርናፈ ምኻኑ ብርክት ዝበሉ ቀጥታ ምስ እዚ ተጓንፎ ረኽቢ ዝነበሮምን/ዘለዎምን ተዓዘብትን ይገልፁ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳብን ብሽም ምትዕርራይ ውዳበ/ ፈለጥቲ ውሽጢ ጥርናፈ ይብልዎ/ ብህጊ ናይ መንግስቲ ብኢድ ኣታዊ ወከልቲ መንግስቲ ኣብ ወፃእ ዓዲ ተገይሩ ተሸይጡን ክትግበር ሓያሎ ተደፊኡን፣ ብፍሉይ ኣብ ዝሓለፈ ክልተን ፈረቓን ዓመታት ብሕታዊ ናይቲ መዚ መንግስቲነት ዝሓዘ ውድብ ወኪል መሲሉ ክመፅእ ገይርዎ አዩ። እዙይ ዓቂብኻ ንምኽያድ ዓማምሰት ካልኦት ማህበራት ኣብ ምድኻምን ምፍራስን ከምኡ ድማ ብፉሉይ ዝነቕፉ ሰብ ሞያን ምሁህራንን ካብ ሓላፍነቶም ከባርርን ቦታ ከይረክቡ ኣብ ምግባርን ዝተሰማረየሉ ኹነታት ይረአ። ነዚ ሲዒቡ ድማ ብርክት ንዝበሉ ምሁራንን ሰብ ሞያን ብትካል ኣቢሎም ሕብረተሰቦም ንምግልጋልን ኣብ ምምሕያሽ ናብራ ሕብረተሰብን ናይ ምሕደራ ስርዓትን ኣበርክቶ ዝገብርሉ ዕድል ኣብ ምስኣን ጠንኪሩ እናዓመመ ዝመፅእ ዘሎ ትካል ብምዃን ዝንቀፈሉ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ካብዚ ተብጊሶም ውሱናት እውን ናይ ጎስጓስ/ኣድቮካሲ ጉጅለ ዘጣየሹ ይርከብዎም።

ዓማምሰት/GSTS ምንቃፍ ሓድሽ ነገር ካብ ዘይምኻኑ፣ ብርክት ዝበለ ሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብኡ ኮይንኹም ባዕልትኹም ዘይተስተኻኽልዎ፣ ኣባላት አንዲኹም (ኩሉ ምሁር ኣባል ዝመስሎ) ዘይተዐርይዎ ካብ ናብዚ ናባና ተምፅእዎ ዝብሉን ካልኦት ግብረ መልሲን ነቐፈታታት ክህብ ይረአ እዩ። እቲ ዋና ፀገም ኣብ ውሽጡ ኮይንኻ ከይተስተኻኽሎ ምንም ናይ ትካላዊ ቁመና ዘይብሉን ትካላዊ መስርሕ ብተግባር ዘይኽተልን ምኻኑ እዩ። ኣብ ቐረባ ግዘ ድሕሪ ብዙሕ ነቐፈታ ድሕረ ገፅን ኣብቲ ድሕረ ገፅ ድማ ቅርፂ ትካላዊነት ዝመስል ስእላዊን ፅሑፋዊን መግለፂ ምሕታሙ ክምስገነሉ ዝግባእ ስራሕ እዩ። ይኹን እምበር ብዕላማ ብተግባር ዘይትግበርን ፈፂሙ ናይ ትካላዊ ኣካይዳ ዘይኸይድን ማሕበር፣ ኣብ ውሽጡ ኮይንኻ ምዕራይ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ብርክት ዝበሉ ገዲፎም ዝወፁ ምሁራን ይገልፁ። ካብዚ ብተወሳኺ ዓማምሰት ብድፍረት ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝተኸተለ ምሕደራ ክነግስ ከምዘይሰርሕን፣ ሕብረተሰባዊ ትካላት ኣሰራርሓታተን ከማሓይሻ ኣብነታዊ ስራሕ ብዘይምቕራብን ‘ውን ይንቀፍ። ኣብነት ንምልዓል ሓደ ምሁር ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ፀብለልታ እንይተርእዩ፣ ብውልቀ ተፀዊዑ ናይ ቦርድ ሰብሳቢ ወይ ናይ ጉጅለ መራሒ ኮይኑ ይሽየም፣ መረፃ ኣባላት ኣመራርሓ ከም ትካል ጉባኤ ተኣኪቡ ኣይገበርን። ኣብ ዝተመዝገበሉ ሀገር ኣሜሪካን፣ከምኡ ውን ኣወስትራልያን ዝነብሩ ምሁራን ናይ ሰዓታት ኣፈላላይ፣ ቅርፂ ምሕደራን ውፅኢታዊነትን መሰረት ብምግባር ዓርሱ ዝኻኣለ ናይ ኣህጉራት ኣወዳድባ ክህልዎም ኣብ ዝሓትሉ እዋን፣ ዓማምሰት ዓለም ለኻዊ እዩ ብዝብል ዘይፈቅድ ምኻኑ ዝዛረቡ ምሁራን ብርክት ዝበሉ እንትኾኑ፣ ብኻሊእ ወገን ግን ኣብ ባይታ ዘየለ ዓማምሰት ኣውሮፓ ኣሎ እዩ እናተብሃለ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ማህበራት ውክልና ዘድልየሉ ቦታ፣ ኮታ ክረባብረ ንምንታይ ከም ዝረአ ኣግራሞት ዝፈጥርን ትካላዊ መስርሕ ከምዘየለ ዘመላኽት ካሊእ ኣብነት ኮይኑ ይጥቀስ።

ሕልፍ ክብል ንዚ ኹሉ ውድቀቱ፥ “ሓግዙና ተባሂልና ኢና ንሕግዝ ዘለና” ብዝብል ሓደን እቱ ጌጋ ፍልፍሉ ዓማምሰት/GSTS ኣይኮነን (ንዓና ተሓተቲ ኣይትግበሩና)፥ ክልተ ይምእዘዝ ሰለዘሎ (ንምእዘዝ ስለዘላና) ሰናይ ቆልዓ ይንኣድ እምበር ከመይ ይውቀስ (እንታይ ጌጋ ሃልዩና ኢናኸ ንንቀፍ) እንትብል ንጌጋታቱ ሓላፍነት ክወስድን ዝሓሸ ሕብረተሰባዊ ግልጋሎት ክህብ ድልው ዘይምኻኑ ይገልፅ። ጉድለታት ተፀሪሖም ነቐፈይታ እንትልዓል ንምእራም ድልውነት እንተዘየልዩ፣ ኣብዘለኻ ኣሊኻ ንምትዕርራይ ከቢድ ከምዝገብሮ ብዙሓት ፈቲኖም ዘይተሳኸዐሎም ሐዚ ‘ውን ኣብ ሓላፍነት ዘለውን ካብ ኣባላነት ንባዕሎም ዘርሓቑን ምሁራን ይገልፁ።

4. ህዝቢ ብፍልጠት ክዕጠቕ ኣብ ምግባር ዘይምንጣፍ

እዚ ዘለናሉ ናይ ሓበረታ ዘመን፣ ካብቲ ምሁር ንላዕሊ ክጥቀመሉ ዝግባእ ኣካል የለን። ዝነቕሐ ህዝቢ ከምዚ ሀዚ ዝበለ ናይ ፖለቲካ ውድቀት ቀዲሙ ኣሚቱ ንመሰሉ ጠጠው ክብል ምኽኣለ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ካብቶም ልዑል ናይ መንግስቲ ኣመራርሓታት፣ ምሁር ትግራይ ኣቋም ዘይብሉን ፁኑዕ ተቓላሳይ ዘይምዃኑን ብኣብነታት ኣደጊፉ ዘፃወተኒ ኣጋጣሚ ክሳብ ሀዚ፣ ስእሊ ምሁር ትግራይ ከምዚ ክሳብ ዝኸውን ክንደየናይ ዲና ተዳኺምና ዝብል ግርምቲን ሕቶታትን ዝፍጠረለይ እንትኾን፣ ኣብ ብርክት ዝበለ ኣጋጣሚታትን መንገዲታትን ሓቃዊነቱ ዘረጋግፁ ኹነታት ይፍጠሩን ይርከቡን። ገለገሊኡ ዝበለፀ ተጠቃማይ ዝኾነሉ መንገዲ ኣብ ምንዳይን ነቲ ናይ ፖለቲካ መሪሕነት ተማእዚዝኻ ምስ ምንባር ተማሓዚው ምንባር ዝተላመደ ብርክት ዝበለ እዩ። ኣዚዮም ብቑፅሪ ብጣዕሚ ውሑዳት ድማ ፈቲኖም እቲ ቓልሲ ምስ ዝሕይሎም ግን “ብእንታዶኸ ገዲሽኒ እዩ” ተሸኒፎም ገለል ይብሉ።

ሓፈሻዊ ፀገም ትግራይ ብፍላይ ሐዚ ዘለናሉ ውድቀት መንቀሊኡ ፖለቲካዊ ስንፍና ምኻኑ ብውልቀ ብርኪ ዝኣምን ምሁር፥ ትካል ፈጢሩ ወይ ከም ክፋል እቲ ሕብረተሰብ ኣብተን ማሕበራት ነጢፉ ዝበለፀ ዓቕሚ ሒዙ ፖለቲካዊ ለዊጢ መፂኡ ትግራይ ርእሳ ክተቕንዕ ብዘይንሕስያ ምስራሕ ኣይኻኣለን። ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ ቐራና መንገዲ ኣብዘለትሉ ኣብዚ ሐዚ ኳ፣ ዓማምሰት መሪፁ ብዝሰደዶም ሓሙሽተ ውከልቲ ዝውከል፣ ኣካል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ አዩ። ይኹን እምበር ካብ ናይቶም ወከልቱ ውልቀ ዓቕሚ ብተወሳኺ፣ ብሓፈሻ እቲ ሙሁር ኣባል ብፍላይ ግን ኣብ ፖለቲካዊ፣ ሕጊ፣ ዓለም ለኸኣዊ ርክባትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተምሃሩ ኣባላት ብምትሕብባር ዝተፀንዐ መዋፅእ ዝብሎም መማረፂታት ሓርዩ ብዘእተዮም ኣባላት ግምት ብምውካስ ኣብቲ ምውሓስ ለውጢ ፅዕንቶ ክፈጥር ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት ውን ነቲ ዝወቐሶ ናይ ኣካይዳ ጌጋ ዝነበሮ ምስረታ ቤት ምኽሪ ግምት፣ መማልእቲ ኮታ ብምብርካት እቲ ትግራይ ረኺባቶ ዝነበረት ዕድል ኣብ ምብኻን ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ተገይሩ ይውሰድ። ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ፖለቲካዊን ወታሃደራዊን ምባለታት ኣመልኪቱ ከም ሓደ ናይ ሙሁር ሊሂቅ ውዳበ ብመንፅር ረብሓ ትግራይ ፈትሹን መምዩን ምኽረ ሓሳብባት ክሕብር ኣይረኣይን።

ብሓፈሻ እዞም ስራሓውቲ ዓማምሰት፥ ትምህርትን ሙሁርን ዝፅየፍ ሕብረተሰብ ኣብ ምፍጣር ዝግበር ፖለቲካዊ ጎስጓስ ውፅኢት ከምፅእ ዓብዪ ግደ ይፃወት ከምዘሎ ዝርዳእ እቲ ቦርድ ምሕደራ ብፍልጦ ዘነኣእሶ ኳ እንትኾን፥ እቲ ኣባል ኣመራርሓ ክፍልሊታት ይኹን እቲ ኣባል ግን እዙይ ንምእራም ዝገብሮ ፃዕሪ የለን ምባል ይክኣል።

5. ምምሕያሽ/መአረምታ

ፈለማ ምሁር ሊሂቅ ትግራይ ዝግበኦ ብዘይምግባሩ ንውድቀት ትግራይ ኣብርክቶ ዝገበረ ምኻኑ ኣሚኑን ተፀፂቱን፥ ብውልቂን ብጉጅለን ዝግብኦ ሓላፍነቱ ክወፃእ ክነጥፍ ኣለዎ። ዓማምሰት ንባዕሉ ካብ ፖለቲካ ሻራዊነት የግልል። ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዝገብሮም ንጥፈታት ምስ ኣባላቱ ዝመኽረሉን ብግለፂ ዝህየሰሉን መስርሕ ይሃልዎ። ህንፀት ዲሞክራሳዊት ትግራይ ኣብ ምግሃድ ኣበርክቶ ንምግባር ብዝዓለመ፣ ካብ ሞያ ወጻእ ሕድሕድ ምሁር ትግራዋይ ኣብ ማሕበራዊ፣ ብፍላይ ድማ ነፃ ትካላት ኣብ ምምዕባል ምንጣፍ ከም ሓደ ናይ ኣባል ግቡእ ተገይሩ ክውሰድ ይግባእ። ዓማምሰት ናይ ንድፈ ሃሳባትን መንቀሊ፣ ብመንፅር ረብሓ ህዝቢ ዛዕባ ዝሰርዕን፣ ነቲ ዘቐመጦ ሰነ ሓሳብን ዛዕባን ተፈፃሚነት ተሪሩ ዝምጉት ክኸውን አለዎ። ናይ ትግራይ ፀገማት ብዝርዝር ምንፃር፥ መፍትሒ ሓሳባት ምቕማጥ፥ ተግባራዊ ኣብነታት ምጥቋምን ብትምህርትን ምርምርን ዝተሓገዘ ቀፃላይ ምውሓስን ዕብየትን ረብሓ ሕብረተሰብና ዝጠልብ ማሕበራዊ ባህሊን ፖለቲካዊ ስርዓትን ንምፍጣር ብዘይንሕስያ ዝቃለስ ክኸውን ኣለዎ። ሰረት ዕብየት ትግራይ ፍልጠት ክኸውን፣ ሃፍቲታት ትግራይ ናብ ረብሓ ሕብረተሰብና ክውዕል መፍረያይ ሓይሊ ክፈሪ ኣብ ምግባር ርኡይ ውፅኢት ከምፅእ እንተኾይኑ፣ ኣብቲ ዋና ዝተመስረተሉ ዕላማን፣ ሕብረተሰብ እውን ትፅቢት ዝገብረሉን ዕማም ኣትኵሩ ይንጠፍ። መስርሕ ተኸቲሉ ክሰርሕን፣ ነዚ ከይዲ ዝከታተል ኣካል ክህልዎን ድማ ግድን የድሊ።

Editor’s Disclaimer:

The above opinion piece is written by a contributor and reflects their personal views and perspectives. It does not necessarily represent the views or opinions of the editorial team, publication, or organization behind UMD Media. We believe in providing a platform for diverse voices and opinions, and encourage our readers to engage critically and thoughtfully with the content. As with any opinion piece, the ideas and arguments presented are subject to individual interpretation and debate.

We welcome feedback and constructive discourse on the topics presented in this piece. If you would like to submit a response or share your own perspective, please contact us at [email protected].

Thank you for your continued readership and support.

UMD Media

View all posts