ዶ/ር ገብረሚካኤል (MD)

ፋኖ ወይ ‘ውን ሓይልታት ኣምሓራ ምስ ፌደራል መንግስቲ ዝጀመርዎ ግርጭት (ዂናት ኣይኮነን) መበገሲኡ፣ ዕላምኡን ከሕድሮ ዝኽእል ፅልዋን ብኣግባቡ ተንቲንና ብምርዳእ ረብሓና ንምክልኻል ክንገብሮ ዘለና ነገር ክንገብር ኣለና።

ፋኖ መን እዮም? ዕላምኦም ከ እንታይ?

ፋኖ ሓደ ዝተወደበ ውፁእ ኣመራርሓን ዝተፅሓፈ ዕላማን ዘይብሎም ዝተበታተኑ ጉጅለታት ውላ’ኳ እንተኾኑ ብዕሊ ዝፍለጡ ዕላማታትን ስምዒታትን ግን ኣለውዎም። ካብኣቶም እቶም ቀንዲ ንምጥቃስ፣

  1. ርስትና ዝብልዎ ግዝኣታት ትግራይ ብዘላቕነት ዘሚትካ ምሓዝ
  2. ትግራይን ትግራዋይነትን ኣጥፊእኻ፣ ታሪኹ ግን ዘሚትካ ምውናን
  3. ኢትዮጵያ ብናይ ኣምሓራ መሸከልን መልክዕን ተስፍያ ክትስራሕ ዝግበር ዝነበረ ‘ሞ ዝበርዕነ መስርሕ መሊስካ ምጅማር ወዘተ እዮም።

ስለዚ ካብቲ ዕላማታቶም ክንርድኦ ከምእንኽእል፣ መእሰርን መጨበጥን ዕላምኦምን መንነቶምን ፀረ-ትግራይን ትግራዋይነትን እዩ። ኣፈጣጥራ ናይ ሐዚ ውዳበታቶም ‘ውን ብስሩ ምስ ዂናት ፅንተት ትግራይ ዝተትሓሓዘ እዩ።  

መበገሲ ግጭት ፋኖን  ኣብዪን እንታይ እዩ?

ፋኖን ኣብዪን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ዘርኢ ናይ ምፅናት ወፍሪ ሓቢሮም ዝወጠኑን ዝፈፀሙን ናይ ቐረባ ኣዕሩኽ እዮም። ሓበራዊ ውጥንን ወፍርን ድኣ ይግበሩ እምበር ኣብ ትግራይ ንዝገበርዎ ገበን ምፅናት ዘርእን ንዘለዎም ኣረኣእያን መሰረታዊ መበገሲኦም ግና ይፈለለ እዩ። ፋኖ ወይ ሓይልታት ኣምሓራ ትግራይ ከጥፍእሉ ዝደልይሉ ቐንዲ ምኽንያት ኣብ ላዕሊ ምስዝተጠቐሰ ዕላማታቶም ዝተትሓሓዘ እዩ። ማለት እውን ንመንነቶም ዓንዲ ጌሮም ዝወስድዎ ታሪኽን ሃይማኖትን ናይ ትግራይን ትግራዋይን ስለዝኾነ ትግራይን ትግራዋይን ከየጥፋእኻ ኻዓ ነዚኣቶም ምውናን ስለዘይካኣል ትግራይን ትግራዋይን ክጠፍእ ስትራተጂካዊ ዕላማ እዩ ዘለዎም። ምስዚ ተተሓሒዙ ‘ውን ግዝኣታት ትግራይ ዘሚትካ ትግራይ ብዘላቕነት ክትደክምን ክትደክን ምግባር ሓደ ካብቲ መሳለጥያ ናይዚ ዕላምኦም እዚ እዩ። ስለዚ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ትግራይ ዘለዎም ናይ ጥፍኣት ቕዋም ምስግዜ ዘይቕየርን ስትራተጂካውን እዩ። ብኻልእ ወገን  ኣብዪ ኣሕመድ ቐንዲ ዕላምኡ ስልጣንን ስልጣንን ጥራይ እዩ። ስልጣኑ ንምቕፃል ክጠፍእ ዘለዎ ህዝቢ እንተሎ ከጥፍኦ ንድሕሪት ኣይብልን፣ ክለምዕ ዘለዎ ህዝቢ እንተሎ ‘ውን ከልምዖ ንድሕሪት ኣይብልን። ስለዚ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ዘካየዶ ናይ ዘርኢ ምፅናት ወፍሪ ከም መፅንዒ ስልጣኑ (ታክቲካዊ) ‘እምበር እቲ ወፍሪ ባዕሉ ናይ መወዳእታ ዕላማ (ስትራተጂክ) ኣይነበረን።

ስለዝኾነ ድማ እዩ ኣብዪ ዂናት ፅንተት ምቕፃል ንስልጣኑ ኣብዘይጠቕመሉ ደረጃ ምስበፀሐ ንስልጣኑ ውሕስነት ብዝህብ መሰረት ውዕሊ ሰላም ክፍርም ከሎ ሓይልታት ኣምሓራ ግና ዝተኸፈለ ይከፈል፣ ዋላ ሃገር ትፍረስ ንምንታይ ፅንተት ተጋሩ ከይተመለአ ዂናት ጠጠው ኢሉ ኢሎም ምስ ኣብዪ ዝተፈሓፍሑ። ቐንዲ መበገሲ ናይቱ ናይ ሐዚ ግርጭቶም ‘ውን እዚ እዩ። ንምንታይ ትግራይ መሊኣ ከይጠፈአት ሰላም ተገይሩ ዝብል እዩ። ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ዝገበትናዮም መሬታት ትግራይ ክንስእነሉ ንኽእል መንገዲ ዶ ኾን ይህሉ ዝብል ፍርሒ ‘ውን ኣለዎም።

እዚ ናይ ፋኖን ኣብዪን ግጭት ኣብ ትግራይ ዝህልዎ ፅልዋ እንታይ እዩ?

መበገሲ ናይዚ ግጭት ‘ዚ ፅንተት ትግራይ ምሉእ ዘይኮነ፣ ዝገበትናዮም መሬታት ትግራይ ከ ናብ ትግራይ ዶ ክምለሱ ይኾኑ ዝብል ኹራ ፋኖ ኣብ ልዕሊ ኣብዪ ምዃኑ ሪኢና’ለና።  እዚ ከመይ ክፀልወና ይኽእል ንዝብል ሕቶ መልሱ ካብቲ መበገሲ እቲ ግጭት እንረኽቦ እዩ ዝኸውን። ማለት ‘ውን ሓይልታት ኣምሓራ ወይ ‘ውን ፋኖ ተቓሊሶም ይንኣስ ይዕበ ዝኾነ ዓይነት ረብሓ ከውሕሱ እንተኽኢሎም እቲ ዝወሓሰሎም ረብሓ ካብ ትግራይ ዝቕነስን ፀረ ትግራይን እዩ። ምኽንያቱ ዝሓትዎ ረብሓታት ኹሉ ኣብ ላዕሊ ከምዝረኣናዮ ፀረ ትግራይ ብምዃኑ። እዚ ጉዳይ ቁሩብ ዝርዝር ኣቢልና ክንሪኦ ክንፍትን ኢና። 

ፋኖ ብወትሃደራዊ ዓቕሚ ጥራይ ከምፅእዎ ዝኽእሉ ዓወት ዳርጋ ዘይሕሰብ ዋላ ‘ኳ እንተኾነ ዘለዎም ፖለቲካዊ ካፒታል ግን ነቲ ውሱን ወትሃደራዊ ግጭት ናብ ፖለቲካዊ ረብሓ ከውዕልዎ ዝኽእልሉ ዕድል ኣሎ። ፋኖ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ንኣብዪ ክነምበርክኾ ንኽእል ኢና ኢሎም ዘይኮኑ ይንቀሳቐሱ ዘለውስ ዝተጋፈሐ ናይ ፀጥታ ሽግር ፈጥሪካ፣ ንዕኡ ካዓ ብዘለዎም ፖለቲካዊ ካፒታል ኣታዓባቢኻን ፕሮፖጋንዳ ሰሪሕኻን ናይ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣቓልቦ ብምስሓብ ንኣብዪ ናብ ፖለቲካዊ ልዝብ ንምምፅእ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ደሓር ኣብ ልዝብ ብ ዜሮ ዝወፅእ ተላዛቢ ስለዘየለ ካዓ ጠለባቶም ሰማይ ሰቒሎም ብምእታው ተንኣሰ ሲሶ ወይ ርብዒ ናይ ጠለባቶም ኣውሒሶም ክወፁ እዩ ዕላምኦም። እዚ ክኾነሉ ዝኽእል ኣዝዩ ዓብዪ ዕድል እሎ። ድሮ’ኳ ኣመሪካን ኣውሮፓን ንኣብዪ ምስ ፋኖ ተላዘብ ዝብል መልእኽትን ፅዕንቶን ክገብራ ጀሚረን ኣለዋ። ብኸምዚ ኣብይን ፋኖን ናብ ልዝብ እንተኣትዮም እቲ ቐንዲ ፋኖ ናይ ህልውና ሕቶ ጌሮም ዝካትዕሉ ዘሚቶሞ ዘለዉ ግዝኣታት ትግራይ እዩ። ነዚ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ገቢቶሞ ዘለዉ መሬትና ድማ ተኾይንሎም ኹሉ ተዘኮይኑ ድማ ምዕራብ ትግራይ ጥራይ ሕጋዊ ትሕዝትኦም ክገብርዎ ክማወቱ እዮም። በዚ ድማ ዝተገበተ መሬትና መዐገሲ ኹራ ፋኖ ኮይኑ ብሕጋዊ መንገዲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቕድሚ ዓለም ማሕበረሰብ፣ ንዘልኣለም ብዘይምለስ መንገዲ ክውሰድ ይኽእል እዩ ማለት እዩ። እዚ ነቲ ዓው ኢሎም ክዛረብሉ ዘይኽእሉ ዝተኾለፈ ግና ድማ ቐንዲ ዕላምኦም ዝኾነ ምጥፋእ ትግራይ ቀስ ብቀስ ኣብ መፃኢ ከሳኽዕዎ በሪ ይኸፍተሎም ማለት እዩ።

‘ሞ እንታይ ንግበር?

ብዓይኒ ዝተፈፀመና ገበን ምፅናት ዘርኢ፣ ፋኖን ኣብይን ፍልልይ ዘይብሎም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብዓይኒ ፖለቲካን ቐፃሊ ኣመታቱን ግን ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ እዩ ዘለዎም ። ኣብዪ ንስልጣኑ ሓደጋ ክሳብ ዘይኾንናዮ ደጊሙ ናይ ፅንተት ዂናት ክእውጀልና ዘገድዶ ኹነታት የለን፣ እኳድኣስ ስልጣኑ ንምውሓስ ምሳና ክሰርሐሉ ዝኽእል ዕድል ኣሎ። ንሕና’ውን ተሓታትነት ገበን ፅንተት ከይረሳዕና  ንረብሓታትና ምስ ኣብዪ ዘይንሰርሐሉ ምኽንያት የለን። 

ናብ ሓይልታት ኣምሓራ ክንመፅእ ከለና ግና፣ ትግራይን ትግራዋይን ናይ ምጥፋእ ስትራተጂክ ዕላማ ስለዘለዎም ዕድል ኣብዝረኸብሉ ኣጋጣሚታት ኹሉ ናይ ፅንተት ዂናት ክእውጁልና ንድሕሪት ኣይብሉን። ንኣብይን ኢሳያስን ኣምሪሖም ዝኣወጁልና ናይ ፅንተት ዂናት ‘ውን ብመሰረቱ ኣይተቛረፀን፣ ብዝኽኣልዎ መጠንን መንገድን ሐዚ’ውን ይቕፅልሉ እዮም ዘለዉ። እዚ ምስ ፋኖ ወይ ሓይልታት ኣምሓራ ዘለና ሽግር ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ዝፍታሕ ሽግር ኣይኮነን። መፍትሒኡ ቐላፅምካ ኣደልዲልካ ምንባርን ኣብ ትሕቲ ኢምፓየር ኢ/ያ ተቖሪንና ክሳብ ዘለና ድማ ፋኖ ናብ ፌደራል ስልጣን ከይመፁ ምክልኻልን ጥራይ እዩ።  

ስለዚ ፋኖ ንኣብዪ ስዒሮም ፌደራል ስልጣን ሒዞም ማለት ናይ ትግራይ ፅንተት ንኽምላእ ንፅባሒትኡ ሓዱሽ ወፍሪ ተጀሚሩ ‘ሎ ማለት እዩ።ስለዚ ሓይልታት ኣምሓራ ስልጣን ፌደራል ንምሓዝ ዘኽእል ዓቕሚ እንተደኣ ኣጥርዮም፣ ንኣብዪ ብምሕጋዝ ናይ ፌደራል ስልጣን ከይሕዙ ምግባር ንኣብዪ ምሕጋዝ ከይኮነስ ብቐዳምነት ንባዕልና ምሕጋዝ ተጌሩ እዩ ክረአ ዘለዎ። እዚ ብ ሓሳብ ደረጃ ኣምበር ፋኖ ናይ ብሓቂ ንኣብዪ ክስዕርሉ ዘኽእል ዓቕሚ ፈፂሙ ከምዘይብሎም ኹልና እንፈልጦ እዩ። ንሳቶም ‘ውን ዓቕሚ ከምዘይብሎም ይፈልጡ እዮም። ዕላምኦም ‘ውን ከምቲ ብፕሮፖጋንዳ ንሰምዖ 4 ኪሎ ምእታው ዘይኮነስ ኣብ ላዕሊ ከምዝተጠቐሰ ንኣብዪ ብፅዕንቶ ናብ ልዝብ ኣምፂእኻ ዝከኣለካ ረብሓታት (ብቐንዱ ግዝኣታት ትግራይ) ምውሳድ እዩ። ከምዚ እንተኾሪና ‘ሞ ብሓይሊ ፕሮፓጋንዳ ካዓ ማሕበረሰብ ዓለም እንተኣእሚንና መዐገሲ ኹራና ተባሂሉ ዝገበትናዮም ግዝኣታት ትግራይ ኣብ ልዝብ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ቕድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ክትኮበና ይኽእል እዩ ዝብል ስልሒት እዩ ዘለዎም።

ስለዝኾነ ካዓ ግዝኣታት ትግራይ ሐዚ እንተዘይተመሊሶም መዕገሲ ኹራ ፋኖ ኾይኖም ሕጋዊ ሽፋን ብዘልዎ መልክዕ ተዘሚቶም ክተርፉ እዮም። ስለዚ ገና ኣብይን ፋኖን ናብ ልዝብ ከይኣምርሑ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ግዝኣትት ትግራይ ናብ ዋንነቶም ምምላስ የድሊ።

ኣብዙጉዳይ ሓደ ክንጥርጥሮ ዘለና ነገር እንተሎ እዚ ናይ ኣብይን ፋኖን ግርጭት ኣብዪ ፈሊጡ ብሕጋዊ መንገዲ ግዝኣታትና ንከይምልስ ዝገብሮ ዘሎ ሻጥር ከይከውን ምጥርጣርን ምጥንቃቕን እዩ። ግና ዋላ ከምኡ እንተኾነ ‘ውን ብዘድሊ መንገዲ መሬትካ ሒዝካ ምፅናሕ ድሒሩ ንዝመፅእ ልዝብ ኾነ ዝኾነ ዓይነት ቓልሲ መደላድል ዝፈጥር ስለዝኾነ ኣብ ናይ ሓፂር ግዜ ኣካይዳ ዝቕይሮ ነገር የለን። ስለዚ ግዝኣታዊ ሓድነትና እንመልሰሉን ዝተፈናቐሉ ወገናትና ብዘላቕነት መፍትሒ ዝረኽብሉን ግዜ ሐዚ እዩ። እዚ ንምግባር እንገብሮ ምንቅስቓስ ንግዚኡ ንኣብዪ ምድጋፍ ክመስልን ክኸውንን ይኽእል እዩ ግን ንሕና ከገድሰና ዘለዎ ረብሓና ‘ምበር ረብሓና ንምውሓስ እንገብሮ ምንቅስቓስ ከምኣጋጣሚ ንመን ጠቐመ ወይ ንመን ጎደአ ኣይኮነን። ብስሩ ‘ውን ምስ ኣብዪ ተሓታትነት ገበን እስካብ ዘይዓፀወ ረብሓና መሰረት ዝገበረ ምትሕብባር ክንገብር ኣለና። እዚ ኣካይዳ እዚ ብሓደ ወገን ረብሓና ንምውሓስ ክጠቕመና ከሎ በቲኻልእ ወገን ድማ ደምበ ፀላእትና ንምብትታን ይጠቕመና።  

ግዝኣትና ንምምላስ ምስ ፋኖ ክህሉ ንዝኽእል ውሱን ግርጭታት ግና ብውሕሉል ፕሮፖጋንዳ ክስነይ ክኽእል ኣለዎ። ተፈናቒሉ ብዘይመፅለሊ ልዕሊ ምዉት ትሕቲ ህልው ኾይኑ ይነብር  ንዘሎ ህዝብና ናብ መረበቱ ንምምላስ፣ ኣብ ዝተገብቱ መሬትና ፎቖዶ ቤት መዐጎሪታት ተዓጒሩ ይመውትን ይሳቐን ዘሎ ህዝብና ንምድሓን እንገብሮ ፃዕሪ ‘ምበር ኣንፃር ፋኖ ወይ ሓገዝ ኣብዪ ዕላማ ጌሩ ዝካየድ ምንቅስቓስ ከምዘይኮነ ምምጓት የድሊ።

ከምዚ ጌርና ረብሓናን ህልውና ህዝብናን ክነውሕስ እናተገበአና ኣብዙ ሐዚ ስዓት ኣብ ብዙሓት ተጋሩ ዝርአ ዘሎ ኣተሓሳስባታት ግን ምስዚ ዝኸይድ ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ትግራዋይ ዝተገበተ ግዝኣትና ንምምላስ ኣንፃር ፋኖ ምንቅስቓስ ንኣብዪ ምድጋፍ ጌሩ ብምስላሕ ከመይ ጌርና ንኣብዪ ንድግፍ ብዝብል፣ ገሊኡ ድማ ኣብዪ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን በቢተራ እናደገፈ ደም ንምቅባእ ዝገብሮ ዘሎ ስልቲ እዩ ዝብል ናይ ገለ ጎራሓት ልሂቃን ኣምሓራ ተረኽ ተቐቢሉ፣ ገሊኡ ድማ ኣጉል ተኸታሊ ፕሪንሲፕል፣ ኣጉል ፍትሓውን ኣጉል ሰብኣውን ንምዃን ግዝኣታትና ንምምላስ ኹሉ ዓይነት መንገዲ ንምጥቃም ዘይሓስብን ዘይድግፍን ኾይኑ ይርከብ። 

እዞም ዝግበር ኹሉ ጌርና ግዝኣታትን ከይንምልስን ዝተፈናቐለ ህዝብና ከይነድሕንን ኣብ ብዙሓት ተጋሩ ዝርኣዩ ዘለዉ መጉተምቲ ሓሳባት እቶም ቐንዲ ቐንዲ ከምዝስዕብ ንርኣዮም።

  1. ኣንፃር ፋኖ ምንቅስቓስ ንኣብዪ ከምምድጋፍ ጌርካ ምቑፃር። ምናልባት ኣንፃር ፋኖ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ኢቀጥታዊ ብዝኾነ መንገዲ ንኣብዪ ደገፍ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ነገር ግን ንሕና ግዝኣታትና ንምምላስ እንገብሮ ምንቅስቓስ ምእንተባዕልና ኢልና እንገብሮ ‘ምበር ንዝኾነ ሓይሊ ንምሕጋዝ ወይ ንምድኻም ኢልና እንገብሮ ኣይኮነን። ኣብዪ ናይ ምድጋፍ side effect ክህልዎ ይኽእል ይኸውን ግን ድማ side effect ፈሪሕኻ መድሓኒት ከይወሰድካ ኣይትተርፍን ‘ሞ እዚ ሞጎተ እዚ ዘኽይድ ወይ ‘ውን ዘርበሐና ኣይኮነን። 
  2. ኣብዪ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ብዘላቕነት ንምባኣስ ዝገብሮ ዘሎ ሽርሒ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ። እዚ ነገር እዚ ሓቂ ናይ ምዃን ዕድል ዋላ ‘ኳ እንተሃለዎ፣ ንሕና ቐዳማይ ዕላማና ኹሉ ግዜ ክኸወን ዘለዎ ረብሓታትና ምውሓስ ‘ምበር ሽርሒታት ፀላእትና ምፍራስ ኣይኮነን። ምብርዓን ሽርሒታት ፀላእቲ ረብሓኻ ንምውሓስ ከም መሳርሒ ትጥቀመሉ ‘ምበር ባዕሉ ክኢሉ ናይ መወዳእታ ዕላማ ክኸውን ኣይኽእልን። ስለዚ እዚ ሽርሒ እዚ ሓቂ ኾነ ኣይኮነ ዘገድሰና ዝተዘመቱ ግዝኣታትና ንምምላስ ዝጠቕመና ኣካይዳ ኣየናይ እዩ ዝብል እዩ ‘ምበር ኣብዪ ፀላኢና እዩ ‘ሞ ኣብዪ ዝሓሰቦ እናተኸታተልና ነፍርሰሉ ዝብል ክኸውን የብሉን። ብስሩ ‘ውን ቐዋሚ ረብሓ ‘ምበር ቐዋሚ ፀላኢ የለን ከምዝበሃል ተሓታትነት ክሳብ ዘየሃገርና ምስ ኣብዪ ምስራሕ የርበሐና ‘ምበር ኣይጎድአናን። ልሂቃት ኣምሓራ መሬትና ክዘምቱ ኣብይን ኢሳያስን ኣምሪሖም ክምፁ ከለዉ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ደም ከምዝቃባእ ጠፊእዎም ኣይኮነን፣ ግን ረብሓና ዝብለዎ ነገር እዮም ኣቐዲሞም። 
  3. ኣብ ውዑይ ፕለቲካዊ ቓልሲ ከለኻ ኣጉል ፍትሓውን ሰብኣውን ምዃን። ፍትሓውነትን ሰብኣውነትን መበገሲ ገይሮም ህዝቢ ኣምሓራ ይጉዳእ ስለዘሎ ኣብዪ ኣብ ኣምሓራ ይገብሮ ንዘሎ ዂናት ዘይምኹናን ሰብኣውነትን ፍትሓውነትን ዝጎዶሎ ኣካይዳ እዩ ዝብሉ ተጋሩ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ገሊኦም ‘ማ ብስሩ ‘ውን “ኣብዪ ኣብ ትግራይ ዝገበሮ ኣብ ኣምሓራ ክደግሞ ከሎ ሱቕ ኣይንብልን” ብምባል እውን ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ምፅናት ዘርኢ ምስ ተራ ግርጭትን ሕንፍሽፍሽን ኣምሓራ ከነፃፅርዎ ይረኣዩ እዮም።  እዚ false equivalency እዚ ኾነ ተባሂሉ ብሓደሓደ ጎራሓት ልሂቃን ኣምሓራ ዝዝወር ኾይኑ፣ ኣብ ዂንት ትግራይ ዝነበረና መርገፂ ጌጋ እዩ ኔሩ፣ ተታሊልና ኢና፣ ንህዝቢ ትግራይ ይቅርታ ንሓትት እናበሉ ናይ ገለ ለዋሃት ተገሩ ልቢ ብምስራቕ ዝፍፀም መሕዘኒ ተረኽ እዩ። እዚ false equivalency እዚ ኣዝዩ ኸብድኻ ዝበልዕ ምስ ኽሕደት ህዝቢ ትግራይ ዝቑፀር፣ ፅባሕ ንጉሆ ፍትሒ ከይንረክብ ዝገብር ዋላ ‘ኳ እንተኾነ እስካብ ሐዚ ነዚ ተረኽ ዝኽተሉ ተገሩ ውሑዳት ብምዃኖም ንግዚኡ ንግደፎ ‘ሞ ኣብቶም ሰብኣውነትን ፍትሓውነትን እናማኻነዩ ከይተፈለጦም ደገፍቲ ፋኖ ዝኾኑ ተጋሩ ክነድህብ። መጀመርታ ነገር ፍትሓውነትን ሰብኣውነትን ምስ ፖለቲካ ዋላ ሓንቲ ዘራኽብ ነገር የብሉን። ፖለቲካ ልዕሊ ኹሉ ብዛዕባ ረብሓ እዩ። ረብሓኻ ኣብ እተኽብረሉ መስርሕ ሰብኣውነትን ፍትሓውነትን ብዝተመለኦ መንገዲ ክኸውን ምስራሕ መተካእታ ዘይብሉ ኣካይዳ እዩ፣ ነገር ግን ኣብ ፖለቲካ ሰብኣውነትን ፍትሓውነትን ካልኦት ህዝብታት ልዕሊ ረብሓ ህዝብኻ ቐዳምነት ኣይወስዱን። ቐዳምነታትካ ኣድማሳዊ ሰብኣውነት እንተኾይኑ ኣብ ከም ብዓል HRW ወይ ‘ውን Amnesty ዝበሉ ናይ ሰብኣውነት ትካላት እቶ፣ ቐዳምነትካ ፍትሒ እንተኾይኑ ‘ውን ከምኡ ወይ ጠበቓ ወይ ‘ውን ዳኛ ኹን እምበር ፖለቲካ ቦታኻ ኣይኮነን።  ፖለቲካ ብመሰረቱ ፍትሓዊ ኣይኮነን፣ መዳለዊ እዩ። ነቲ እትውክሎ ህዝቢ ክተዳሉ ኣለካ። እዚ ማለት ግን ናይ ካልእ ህዝቢ ሰብኣዊ መሰላት ክትጥሕስ፣ ፍትሒ ክተጓድል ትኽእል ኢኻ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ፣ ዝኾነ ዘይትውክሎ ህዝቢ ከይለሓሓፅ ኢልካ ዝመውት ህዝብኻ ኣይትረስዕ ማለት እዩ። ስለዚ ኣብ ሓያል ፖለቲካዊ ቓልሲ ከለና ሰብኣውነትን ፍትሓውንትን ካልኦት ህዝብታት ከም ቐዳምነታት ጌርካ ዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ሞጎተ ተቐባልነት ክህልዎ የብሉን።

ንምጥቕላል፣ ግዝኣታት ትግራይ ንመዐገሲ ኹራ ፋኖ ኣብ ቕድሚ ዓለም ከይተተኾቡ ብዝከኣል መንገዲ ኹሉ ናብ ትግራይ ይመለሱ ዝብል መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝዓለመ ፅሑፍ እዩ እዚ ፅሑፍ እዚ። ሓደ ግዜ ኣብ ሞንጎ ኣብይን ፋኖን ብዝግበር ልዝብ ገለ ኣካል ግዝኣታትና ናብ ኣምሓራ እንተተተዂቦም፣ ንዘልኣለሙ ምምላሶም ኣይካኣልን። ምኽንያቱ ሕጋዊ መሬት ኣምሓራ ይኾኑ’ለዉ ጥራይ ዘይኮነ ኣካል ዓለምለኸ ስምምዕ ‘ውን እዮም ዝኾኑ ዘለዉ። ስለዚ፣ ፋኖን ኣብይን ልዝብ እንከይጀምሩ እዞም ቦታታትና ናብ ትግራይ ክምለሱ ክንገብርን ንተግባራውነቱ ድማ ዘድሊ ኹሉ ክንጥቀምን ኣለና።

ብ  ዶ/ር ገብረሚካኤል (MD)   09/01/2023.

UMD Media

View all posts