መርስኤ ኪዳን

ድሕሪ ንኽልተ ዓመታት ኣብልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ወራር ኣብ ጥቅምቲ 2015 ኣብሞንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዝተገብረ ተፃብኦ ንሓዋሩ ጠጠው ናይምባል ውዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላም ኣፋፍኖት ረኺቡ ናብ ንቡር ናብራ ክምለስ ብሃንቀውታ ይፅበይ ኣሎ። ኮይኑ ግና ብኽልቲኦም ወገናት ዝረኣይ ዘሎ ነቲ ውዕሊ ብግቡእ ንዘይምፍፃም ዝግበር ምድሕርሓር ንህዝቢ ትግራይ ዋጋ የኽፍሎ ኣሎ። ነዚ ኹነታት ኣብግምት ብምእታው ብዙሓን ግዱሳት ተጋሩን ኣብትግራይ ዝርካባ ሰለሰቲአን ብሄራውያን ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ህወሓት በቲ ኣብ ፕሪቶርያ ውዕሊ ዝፈረሞ መሰረት ስልጣኑ ንግዚያዊ መንግስቲ ብህፁፅ ከረክብ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ድሕሪኡ ናይ ህወሓት ኣመራርሓ ኣባል ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ብህፁፅ ጊዜያዊ መንግስቲ ከምዝጣይሽን ስልጣን ከምዝርከብን ኣፍሊጡ እዩ። እቲ ጊዜያዊ መንግስቲ ዝምስረተሉ ከይዲውን ግልፂን ኣሳታፊን ከምዝኸውን ገሊፁ እዩ። እዚ ክምስገን ዘለዎ ሓሳብ እዩ። በቲ ዝተብሃለ መሰረት ናይ ጊዚያዊ መንግስቲ መጣየሺ ኮሚቴ ተሰይሙ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ። ኮይኑ ግና ናይቲ ኮሚቴ ኣባላት ዝተሰየሙሉ ኣካይዳ ግልፂ ዘይምዃንን እቲ ኮሚቴውን ኣሳታፋይ ወይ ኻዓ ዘይሻራዊ ብዘይምዃኑ ካብ ምጅማሩ ተቃውሞ የጋጥሞ ኣሎ።  ካብኡ ሓሊፉውን ብዙሓን እቲ ዝምስረት ጊዜያዊ መንግስቲ እንታይ ክመስል ኣለዎ ኣብዝብል እናተኻትዑን እናተነጋገሩን ይርከቡ።

እቲ መጣየሺ ኮሚቴ ወይ ኣሳታፊ ክኾን ኣለዎ ወይ ኻዓ ዘይሻራዊ ክኾን ኣለዎ። ኣብቲ ኮሚቴ ሰለስተ ሰባት ካብ ህወሓት ክውከሉ ካብዝኾነ ይኹን ካሊእ ፖለቲካዊ ፓርቲ ዝተወከለ የለን። እዚ ክስተኻኸል ዝኽእል ካብሰለስተ ዘይንእስ ቁፅሪ ዘለዎም ተወከልቲ ካብ ካልኦት ፖለቲካዊ ፓርቲታት ክህልዉ ብምግባር ኣሳታፋይ ክኸውን ምግባር እዩ ወይ ኻዓ ዝኾነ ይኹን ናይፖለቲካዊ ኣባል ከይህልው ብምግባር ዘይሻራዊ ክኸውን ምግባር ይካኣል እዩ። ነዚ እርማት እዚ ብዘይ ወዓል ሕደር ብምትግባር ነቲ ኺደትን ነቲ ኮሚቴን ዝበለፀ ተኣማናይ ኽኸውን ምግባር ይካኣል። እዙይ ምስተማለአ ህዝቢ ብግልፂ ዝካታተሎ ጊዜያዊ መንግስቲ መመስረቲ ጉባኤ (ኮንፈረንስ) ክግበር ይግባእ። ካብዚ ንታሕቲ ነቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ኣካላት መበገሲ ክኾኖም እቲ ጊዚያዊ መንግስቲ እንታይ ክመስል ከምዘለዎ ሓሳብ ከቕርብ እየ።

ቅድሚ ሎሚ እቲ ዝምስረት መንግስቲ ዘይሻራዊን ብክኢላታት ዝምራሕ ክኸውን ይግባእ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪበ እየ። ኮይኑ ግና ካብቲ ኣብመሬት ዘሎ ነባራዊ ሓቂ ተበጊሰ እቲ ዝምስረት መንግስቲ ናይዝተፈላለዩ ሓይልታት ናይሓባር ተሳትፎ እንተዘይብሉ ዕውት ክኸውን ከምዘይኽእል ኣብግምት ብምእታው እቲ መንግስቲ ኣሳታፊ ቤትምኽሪን ዘይሻራዊ መፈፀሚ ኣካልን ክህልዎ ዝብል ሓሳብ ከምዝስዕብ የቅርብ።

  1. እቲ ጊዜያዊ መንግስቲ ዝውስነን ጊዜያዊ ኣዋጃትን ድንጋጌታትን ዘውፅእ ላዕለዋይ ሽማግለ (ቤት ምኽሪ) ክህልዎ።
  2. ብላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዝስየም መፈፀሚ ኣካል (ካቢኔ) ክህልዎ።
  3. እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኩለን ናይትግራይ ፖለቲካ ፓርቲታት ወትሃደራዊ መራሕቲ፣ ክኢላታትን ዘይፖለቲካዊ ውዳበታትን ከምዝስዕብ ክሳተፋሉ።
    1. 25% መንበራት ካብ ወትሃደራዊ መራሕቲ፣
    1. 25% መንበራት ካብ ህወሓት፣
    1. 25% መንበራት ካብ ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውዳበታት፣
    1. 25% መንበራት ካብ ክኢላታት፣ ዘይፖለቲካዊ ውዳበታትን ዓበይቲ ዓዲን ክኸውን
  4. ኣብቲ መፈፀሚ ኣካል (ካቢኔ) ዝስየሙ መራሕቲ ኣብ ንህዝቢ ትግራይ መሊስካ ምህናፅ ካብዝህልዎም ኣስተዋፅኦ ዝምዘኑ ኾይኖም ነቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዝመስል ስብጥር ክህልዎ
  5. ናይ ወረዳ ምሕደራታት ቕርፂ ከምቲ ናይ ክልል ቤት ምኽሪን ካቢኔን ዓይነት ተመሳሳሊ ቕርፂ ክህልወን ይግባእ

ለካቲት 10, 2015

UMD Media

View all posts